Author: xzibw

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ 19 መስከረም 2021 ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ተጻባእቲ ሓይልታት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሳኺ ማዕቀብ ንምንባር ዘኽእል መምርሒ ምፍራሙ፡ ከምዝድግፉ መራሕቲ ትግራይ ኣፍሊጦም። ትማሊ ኣማስዩ፡ ብኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ተፈሪሙ ዝወጽአ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ዝወስዶም ተኸታተልቲ ስጉምቲታት ከምዝንእድን፡ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ክውዳእ ዘቕርቦ ሓሳብን ከምዝቕበልን ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ብ17 መስከረም 2021 ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰብአዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ምፍራሙ ዝዝከር እዩ። እቲ ማዕቐብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ገለ ዘይስሩዕ ሓይልታቱን…

Read More

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ 17 መስከረም 2021 ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ፈሪሙ። እቲ ሎሚ ዝወጸ መምርሒ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ገንዘብን ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ቶም በቲ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ተሓተቲ’ዮም ዝበልዎም ወገናት ማዕቀብ ከንብሩ ስልጣን ዝህብ’ዩ። እቲ ማዕቐብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን ዘነፃፀረ ምዃኑ ተገሊፁ። እቲ እገዳ ነቶም “ንሰላም፡ ጸጥታ ወይ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ወይ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኵናት ንምስፍሑ ዝሰርሑ ወይ ንምቁራጽ ተጻብኦታትን መስርሕ ሰላምን ኣብ ዝዕንቅፉን” ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ይጠቅስ። ኣብቲ ዞባ…

Read More

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ 17 መስከረም 2021 ሰብኣዊ ረዲኤት ሒዘን ንክልል ትግራይ ካብ ዝኣተዋ መካይን 428 ክሳብ ሕጂ ከምዘይተመልሳ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጻ። ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዘይመንግስታዊ ማሕበራት መግብን ካልኦት ቀረባትን ዝጸዓና 590 ናይ ጽዕነት መካይን ካብ ሰመራ (ክልል ዓፋር) ናብ መቐለ ምእታወን ሓቢራ። እተን ዘይተመልሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ምንታይ መዓላ የገልግላ ከምዘለዋ ስለዘይተፈልጠ፡ ብወገን መንግስቲ ጥርጣረ ከምዝሓደረ’ውን ጠቒሳ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ብወገኑ፡ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣተዋ 149 ተሽከርከርቲ፡ ዝኾነት መኪና ከምዘተመልሰት ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዋ 466 ተሽከርከርቲ፡ እተን 38 ጥራይ ከምዝተመልሳ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፡ ሚኒስትሪ ሰላም ብዛዕባ’ተን ዘይተመልሳ…

Read More

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ 17 መስከረም 2021 ፕረዚደንት ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ፡ መዝነት ናይ ምሃብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝደረተ ኣፍሊጡ። ንሱ ነዚ ዝገበረ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን እናገደደ ዘመጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ። “ናብ ፖለቲካውን ናይ ድሕነትን ቅልውላው ከእቱ ዝኽእል ተገዳስነት ዘይብሉ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ” ክብል’ዩ ፋርማጆ ንቐዳማይ ሚንስተር ሞሓመድ ሑሴን ሮብሌ ዝኸሶ። ሮብሌ ግን ብመምርሒ እቲ ፕረዚደነት ከምዘይቕየድ ብምግላጽ ዘይሕገመንግስታዊ ክብል ነቲ ውሳነ ነጺጉ። እዚ ምስሕሓብ ብድሕሪ ምስጢራዊ ምስዋር ኢክራን ታህሊል ዝተባሃለት ሰላሊት ዝተፈጥረ ኮይኑ፤ ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዕጥቃዊ ጎንጺ ከይውላዕ ተሰጊኡ’ሎ። ጓል 25 ዓመት ኢክራን ታህሊል ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ገዝኣ ብመኪና ምስወጽአት’ያ ደሃያ ጠፊኡ።…

Read More

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ 14 መስከረም 2021 እዚ ክዳን፡ ብኢድ ዝተሰርሐ ጥልፍን ዝተፈላለየ ቅድታት ዘለዎን እዩ። ገሊኦም ፍሉያት’ዮም። ኣብ ከባቢ ደረት ብጥንቃቐ ዝተቐመጡ ናኣሽቱ መስትያት ዝመስሉ መጋየጺታት ዘለዎም ነዋሕቲ ቀምሻት ኣለው። እዞም ክዳውንቲ ‘ኣታን’ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ብሄራዊ ትልሂት ኣፍጋኒስታን ኣዝዮም ምቹኣት ስለ ዝኾኑ፡ ከም ድላይካ ሕምብሊል ትብለሎም። ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ድማ ኣብ ኢንተርነት ኣንጻር ጣሊባን ዘውጽኦ ጥቡቕ ሕጊ ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ተቓውሞ ጀሚረን። እዚ #ክዳነይኣይትተንክፉለይ ከምኡ’ውን #ባህሊኣፍጋኒስታን ብዝብሉ ሃሽታጋት ዝተጀመረ ጎስጓስ፡ ብዙሓት ካብታ ሃገር ወጻኢ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ባህላዊ ክዳውንቲ ተኸዲነን ክመርሕኦ ጀሚረን ኣለዋ። እተን ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጎስጓስ ዘካይዳ ዘለዋ ኣፍጋናውያን፡ ከካብ…

Read More

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ 17 መስከረም 2021 ጸጉሪ ርእሲ ቆልዓ 7 ዓመት ጓሉ ብመምህራ ዝተቖረጸ ኣቦ፤ እቲ ተግባር ብዘይፍቓድ ወለዲ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ንምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርትን ክልተ ሰራሕተኛታትን ከሲሱ። እቲ ወላዲ 1 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃቦ ሓቲቱ ከምዘሎ’ውን ተገሊጹ። ጂሚ ሆፍመየር፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ናይታ ሓንፈጽ [ካብ ክልተ ዓሌት ዝተወለደት] ጓሉ ከምዝተጥሓሰ ኣብ ክሱ ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋን ከኣ ንጓሉ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ከምዘውጽአ ተፈሊጡ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብዘካየዶ ምጽራይ፤ ሓንቲ መምህር ንሕጊ እቲ ቤት ትምህርቲ ብምጥሓስ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወደት ገሊጹ። እንተኾነ፡ እቲ ዝተፈጸመ ተግባር ዝኾነ ኣድልዎ ከምዘይነበሮ ኣነጺሩ። ሽዑ ድማ ጉዳያ ብመግናሕቲ ጥራሕ ተሰጊሩ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ስርሓ ክትቕጽል ተወሲኑ። ኣቦ እታ ጓል…

Read More

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ 14 መስከረም 2021 ከተማ ብራስለስ፡ ብሽም ኣብታ ሃገር ዝተቐትለት ናይጄሪያዊት ፋይቶት ሓድሽ ጎደና ክትስይም’ያ። እዚ ኣካል እቲ ኣብ ቤልጅም ንደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ክወሃብ ኣለዎ ብዝብል ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጎስጓስ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ከም ዝበሎ፡ እቲ ጎደና ብሽም እታ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ብካራ ተወጊኣ ዝሞተት ኢዩኒሴ ሳያንዲ ክኸውን’ዩ። እታ ግዳይ ኣብ ኤውሮጳ ጽቡቕ ዕድል ስራሕን ህይወትን ክትረክብ ከም ዝሕግዙዋ ቃል ብዝኣተውላ ሰባት ተታሊላ ብ2016 ናብታ ሃገር መጺኣ። እቲ ናብ ኤውሮጳ ዕድመ ዝገበረላ ውልቀሰብ ወኪል እቶም ኮኸብ ተዋሳኢት ፊልሚ ክንገብረኪ ኢና ዝበሉ’ዩ መሲሉዋ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ እዞም ሰባት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት’ዮም ነይሮም። ናብ ብራስለስ ምስ መጽአት…

Read More