ሓጻር ሓሳብ ኣብ ሓንቲ ጉዳይ ትግራይ
ብዘርእሰናይ ኣለምሰገድ
(ንሓሳባትኩም – hantitigray@gmail.com ሕዳር 11 2016)
ኣብ ስልጣን ዘሎ መን እዩ?
ኣብ ስልጣን ዘሎ መን እዩ? ብመንከ ይቃነ? ተሓታትነትን ኣሳታፍነትን ዝምዕብል እዚ ሕቶ እዚ ብግቡእ ተተመሊሱ ጥራሕ እዩ። ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ሓደ ሓደ መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ናይ ህወሓት ፈጻሚት ኣባል ዝኾኑ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ዝተረኣየ ምስሕሓብ ቡዙሕ ኣትኩሮት ረኺቡ እዩ። ብናተይ ኣመዛዝና ከምዚኦም ዝበሉ ምስሕሓባት የጋጥሙ እዮም ጥራሕ እንተይኮነስ ተፈጥራዊ እዮም።
እንትፍጠር ጀሚሩ ፖለቲካ ማለት ናይ ሓሳባት ምቁሩቛስ ካብኡ ሓሊፉውን ምልታም ዝፈጥሮም መስተጋብራት ውጽኢት እዩ። ንህወሓት እውን ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን፣ ብጥርናፈ ተሸፊኑ ንደገ ስለዘይወጸ እዩ ‘ምበር። ሕንፍሽፍሽ፣ ናይእኒ ኣረጋዊ በርሀ ምውጻእ፣ ናይእኒ ስየ ምውጻእን ወዘተ ከም ናይዝወጹ ኣብነታት ምጥቃስ ይካኣል። ብናተይ ኣራእያ ዋላ ምስጸገሙ ትዝረኣይ ዘሎ ከም ምዕባለ ምውሳድ ይግባእ። ብዘይ ገርጨውጨው ዝመጽእ ፖለቲካዊ ምዕባለ ስለዘየለ።
ምናልባት ቁርብ ዘሰክፍ፣ ፈለማ ኣብ እዋን ብሄራዊ ሓዘንን መርድእን ስለዝነበርናን ብተወሳኺ ድማ ብዘይእመኑ ናይ ፈድራል፣ ክልልን ባዕዳውያን ሓይሊታት ኣብ ዝተኸበብናሉ ጊዜ ምዃኑ እዩ። ብናተይ እምነት እቲ ዝተረኣየ ምስሕሓብ፣ ናህናን ናይ ተጋሩን፣ ብኣና ዝዝወርን ተኾይኑ ንፍትሒ፣ ኣሳታፊነትን ዴሞክራሲን ጽቡቕ መበገሲ ሰለዝኾነ ኣየሰክፈንን።
ህወሓት ንኣባላቱ ኣኪቡ ኸመያይጥ መሰሉ እዩ። ኾይኑ ግና ህወሓት ዋላኳ ንኻድረታቱ ፃዊዒት ጌሩ ይኹን ‘ምበር፣ ብዓይኒ ‘ቶም ፕሬዝደንት ትጊዚኡ ትኽክል ኣይኮነን ዝብል ሕርያ ጌሮም እቲ ኣኼባ ንኸይግበር ኣዚዞም። ብተወሳኺ ድማ ቡዙሓት ካድረታት ኣብ ናይ መንግስቲ መሓውር ከምዘለዉ ፉሉጥ ስለዝኾነ ስራሕ ከይቦክር ኢሎም ኢልካ ምሕሳብ ይካኣል። ቅድም ኢሎምውን ንዝተወሰኑ ናይ ውድብ ኣባላት ካብ ናይ ዞባ ጎስጓስን ምብርባርን ሓላፊነት ስራሕ ኣልዮም ኔሮም። ኣብቀረባ ድማ ንኻልኦት ላዕለዎት መራሕቲ ካብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ኣልዮሞም። ነዚ ድማ መሪሕነት ህወሓት ዝፈተዎ ኣይመስልን። ብውሕዱ ትኽክል እዩ ኢሉ ኣይሓስብን። ናይ ስግግር እዋን ስለዝኾነ መን እዩ ትኽክል ወይ እቲ ዋና ምኽንያት ናይቲ ሓርጎጽጎጽ እንታይ እዩ ዝብል ግልጺ ኣይኮነን።
ሓደ ነገር ግና ብጣዕሚ ግልጺ እዩ። እዚ ሕልኽልኽ ዘርእየና ክሳብ ክንደይ ፓርቲን መንግስቲን ሕውስውስ ከምዝበለ እዩ። ንኣብነት እዚኹሉ እንትኾን ባይቶና ብዘይ ምንም ጸገም ናይ ውድቡ ጉባኤ ኣሳሊጡ። ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብማሕበረሰባዊ ምንቅስቃ ግና ዘምጽኦ ምንም ዓንቀፍቀፍ የለን። ስለዚ እቲ መፍትሒ ኣብ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይን ሕወሓትን ዘሎ ኣፈላላይን ሓድነትን ተቐቢልካ፣ ንትግራይን ንዴሞክራሲን ማእኸል ጌርካ፣ ንህዝብና ናብ ዝቕፅል መድረኽ ዘሰጋግር መንገዲ ብሓባር ምእላሽን እዩ። ድሕሪ ሕዚ ንናይ ትግራይ ፖለቲካ ናብ ናይ ዝተማእኸለ ኣካይዳ ምምላስ ንኹሌና ከምዘይረብሐና ተቐቢልካ ምቕፃል እዩ ዘዋጽእ።
ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተመስረተ ድሕሪ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት እዩ። ዋላኳ እቲ መንግስቲ ብተጋሩ ይመስረት እምበር፣ ትስምምዕነት ስለዘግድድ፣ ናይ ፌደራል ኢድ እውን ኣለዎ። ናይቲ ካቢኔ ኣባላትውን ብተወሰነ መልክዑ ተፈላላየ ድሕረባይታ ዘለዎም ኣካላት እዮም። ንኣብነት ህወሓት፣ ሰራዊት፣ ሙሁራትን “ባይቶናን”። ዋላ ህወሓት ዓብላልነት ናይ ቁጽሪ ተሃለዎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ጊዚያዊ መንግስቲ ውሽጢ ይኹን ኣብውሽጢ ሕወሓት ኣፈላላይ ተተራኣየ ቡዙሕ ኣይገርምን። እቲዋና ጉዳይ ኣብ ናይ ኣራኣእያ ኣፈላላይ ዝምስረት ህዝባዊ ስኒት ከመይ ጌርና ነምፅእ እዩ። ክስመረሉ ዝግባእ ነገር እቲ ጊዚያዊ መንግስቲ ዝተመስረተሉ ዋና ዕላማ ናይ ሓደ ወገን ኣራእያ ሒዙ ክሰርሕ እንተይኮነስ ንህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዘለዎ ከቢድ ዓፀቦ ኣናጊፉ፥ ንዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም መሊሱ፣ ተወረረ መሬትና ኣምሊሱ ኣብሓጺር ጊዜ ዉሽጢ ኣሳታፊን ፍትሓዊን መረፃ ጌሩ፣ ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ ንምትካል እዩ። እቲ ዘለና መንግስቲ በዚ እዩ ዝግምገም እምበር ብናይ ሓደ ውድብ ወይ ውልቀሰብ ዓላማ ምፍጻምን ዘይምፍፃምን ኣይኮነን።
ስለዝኾነ ሰራዊት፣ ሚዲያ፣ ሽማግለታት፣ ሙሁራት፣ ሃገራውያን ይኹኑ ዓለምለኻውያንን ከድህብሉ ዝግባእ ጉዳይ እቲ ኸይዲ ንናይ ፕሪቶሪያ ዉዕል ኣፈፂሙ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ይወስዶ ዶ ኣይወስዶን እዩ ክኾን ዘለዎ። ብፍላይ እቲ ሰራዊ ኣብቲ ዘለዎ ናይ ጸጥታ ስራሕቲ ብተወሳኺ ፖለቲካውን ስለዝፈልጥ፣ ዘይሻራዊ ዝኾነ፣ ንጊዚያዊ መንግስቲን ንዓላምኡን ዘሕግዝ ናይ ሓላዊ ህዝቢ (guardian) ግደ ክፃወት ይግባእ። ካልኦትና ‘ውን ብፍላይ ሚድያ እቲ ንገብሮን ንብሎን ነገር ንናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ምትግባር ይሕግዝ ዶ ይጎድእ ኢልና ከምተጋሩ ብሓድነት ተንነጥፍ ዝሕሽ ይመስለኒ።
ኣብ ጊዝያዊ መንግስቲ ይኹን ኣብ ዉድባት ብፍላይ ኣብ ህወሓት ቅሬታ ተሃልዩና ድማ ከምተጋሩ ኮይና ንመክር፣ ንግስፅን ንቃለሰን ‘ምበር፣ ምስ ንጊዚያዊ መንግስቲ ኾነ ንህወሓት ኮነ ኢሎም ከዳኽሙ ዝደልዩ ሃገራዊያን ወይ ግዳማዊያን ሓይሊታት ፈሊጥና ይኹን እንተይፈለጥና፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ከይንትሓባበር ምጥንቓቕ የድሊ። ኣይሽምባይዶ ከምህወሓት ዝበለ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ዉድብ፣ ዋላ ካሊእውን እንተኾነ ክድይብን ክወርድን ዘለዎ ብናይ ህዝቢ ትግራይ ፍቓድ ጥራሕ እዩ። ንኹሎም ውድባትና ዝነክእ ምንም ዓይነት ናይ ደገ ሓይሊ ኣምሪርና ክንቃለሶ ኣለና። እቲ ዝረኣናዮ ምስሕሓብውን ንቕድሚት ንዘጋጥሙና ተመሳሰልቲ ናይውሽጥና ብድሆታት፣ ምቁርቛስን፣ ገርጨውጨውን ብምይይጥ እንዳፈታሓና ንኽንስጉም ከም ፈልሲ ዴሞክራሲን መለማመዲን ጌርና ክንጥቀመሉ ይግባእ።
ገሌና ነቲ ሓዱሽ ኣካይዳ ኣይንደልዮን ህድእ ንበል ንብል፣ ገሌና ድማ ሓዱሽ ነገር ብጣዕሚ ዘንጊዑ ንብል። ነዞም ዝተፈላለዩ ሽውሃታት ሓንጎፋይ ኢልና ተቐቢልና፣ ሓሳብ እናሰዓረ፣ ማንም ሰብ ግን ከምሰብ እንተይተሰዓረ ንኸደሉ ኣሳታፊን ፍትሓዊን ባይታ ፈጢርና ኣብዝሓ እናወሰነ እቲ ውሑድ ድማ እንተይተሸቑረረ ተርኡ ዝጽበየሉ ኣካይዳ እዩ ዘድልየና። ከምኡ ተጌርና ጥራሕ እዩ ነታ “ኣብስልጣን ዘሎ መንዩ?” እትብል ናይዛ ጽሕፍቲ ሕቶ፣ መልሳ “ህዝቢ ትግራይ” ዝኾን። ንሱ እዩ ድማ እቲ ናይ መወዳእታን ዘዋፅእን መልሲ። ንህልውናናን ኣሳታፍነትን እምበር ንናይ ወንበር በዝሒ (percentage) ማእኸል ዝገብር ኣካይዳ ኣየዋጽአናን። ነዚ እዩውን እቲ ዝጣይሽ ዘሎ ካውንስል ብህዝቢ ዝቃነን ስኒ ዘለዎን ምግባር ዘድሊ። ናተይ ሕርያ ድማ መማኸሪ ተይኮነስ ቤት ምኽሪ ንክኸውን እዩ።