ሓፃር ሓሳብ ኣብ ሓንቲ ጉዳይ ትግራይ ሚስጥርን ትርጉምን ቲዲኤፍ
ኲይናት በላዒ ሰብን መጥፍኢ ኹሉን እዩ። ንወላዲ ብዘይ ዉሉድ፣ ንዉሉዳት ብዘይ ወለዲ ዘትርፍ፣ ንሓዳርን ስድራታትን በቲኑ ንሕብረተስብ ዘናውጽ’ዩ። ንተመሃሮን መምሃራንን ካብ ቤት ትምህርቲ፣ ንሓረስቶት ካብ ማሕረስ፣ ንጡረተኛታት ካብ ዕረፍቶም ወዘተ ኣፈናቒሉ፣ ኣካለ ጉዱላት ዝገብር፥ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናብ ዘይምለስሉ ዘፋኑ ኩፉእ ክስተት እዩ። ኲይናት ንክብሮም ሓልዮም ዝነብሩ ሰባት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፣ ለመንቲ ጌሩ ፣ ንንጹሃት ኣድፊሩ ናብ ከቢድ ማሕበረሰባዊ ቅልውላው ዘእቱ መንገዲ ደልሃመት ‘ዩ። ኮታስ ኲይናት ገሃነም-ኣብ-መሬት ማለት እዩ። ንዚ እዪ ድማ ተተኻኢሉ ንሽግራት ብሰላም ምፍታሕ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኸውን። ሓደ ሓደ ጊዜ ግና መማረጺ ኣይህሉን። ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኲይናት መማረጺ ነይርዎዶ? “መበገሲኡ ኸ ታይ ኔሩ፣ ታይ ምድላው ተጌሩ ወይ ኣይተገብረን” ዝብል ኣብ ካሊእ “ሓንቲ ገጽ” ክምለሶ እየ። ሕዚ ግና ብዛዕባ እቲ ኲይናት ምስተኸፈተ ዝተፈጠረን መስደመሚ ታሪኽ ዝሰርሐን ቲዲኤፍ ሓሳባተይ ከካፍል። ናይ ሎሚቕነ መርድእ ልበይ ከም ዝሰበሮን፣ ነቶም ስውኣት ዘለኒ ዘይተሓለለ ክብሪን’ውን ክገልጽ እደሊ።
ኣብ ታሪኽ ተኣምራዊ ዝባሃሉ ኵናታት ከም ናይ ቐዳማይን ካልኣይን ዓለም፣ ናይ ቬትናም፣ ናይ ኣልጀርያ ወ.ዘ.ተ. ተራእዮም እዮም። ናይ እስራኤል ናይ 6 መዓልቲ ውግእ፣ ናይ ኖርማንድይ ላንዲንግ፣ 90 ደቒቓ ኣብ እንቴቤ፣ ናይ ኦሳማ ቢንላደን ኦፐሬሽን ምጥቃስ ይክኣል። ብፊልሚ ድማ “ሴቪንግ ፕራይቬት ራያን ዝብሃል” ካብ ሓደ ስድራ 3 ኣሕዋት ምስ ተሰውኡ ነቲ ራብዓይ ንምድሓን ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝግበር ከቢድ ጻዕሪ ክም መስተንክራዊ መጥባሕታዊ (surgical) ኦፖሬሽናት ምጥቃስ ይክኣል እዩ። እዞም ዝተጠቐሱ ኣብነታት ብቡዙሕ ቁጽሪ ህዝቢ፣ ቴክኖሎጂ፣ ንዋት፣ ኢንተሊጀንስ፣ ሎጂስቲክስን ዓለምለኸ ናይፖለቲካ ዓብላልነት ወይ ድማ ብናይ ዓብለልቲ ሓገዝን ጥምረትን ዝተተገበሩ ስሪሕታት እዮም። ቲዲኤፍ፣ ምስ ድምር ናይዞም ከም ኣብነት ዝጠቐስክዎም ወታሃደራዊ ፍጻመታት ዝመጣጠን ቅያ እዩ ሰሪሑ። ውሑድ ህዝቢ፤ ፤ ድኹም ቴክኖሎጂ፤መሓዛ ኣልቦ ኾይኑ ግን ዝተርኣየ ምውሳን፤ ምውፋርን ፀዋርነትን መስተንክራዊ እዩ።
ምስ ካብቶም ኣብ ኣፍሪካ ዓበይቲ ዝበሃሉ ሓይሊታት ሓደ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ሙሉእ ናይ ምድሪን ኣየርን ሓይልታትን፣ ነዊሕ ናይ ውግእ ልምዲ ምስ ዘለዎን ብተበቃላይ ኣረመንያዊ መራሒ ዝምራሕ ሰራዊት ኤርትራን እዩ ገጢሙ። ብተወሳኺ ብጽልእን ምስፍሕፋሕን ዝዓወረ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ‘ውን ምስዞም ሓይልታት ተጸምቢሩ መጺኡ። እዚ ከይኣክል ድማ ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ክልላትን ናይ ሶማልያ መንግስትን ዘዝኽኣልዎ ሓይሊ ወሲኾም ደሪቦሙሉ። ወሳናይ ግደ ዝነበሮን ናይ ድሮን ሓይሊ ድማ ካብ ዩኤኢ፣ ቱርኪን ኢራንን ቻይናን መጺኡ።
ነዚ ኹሉ ንምምካት ብወገን ትግራይ ዝነበረ ሓይሊ ብድምር፣ ካብ 10,000 ዝውሕድ ፉሉይ ሓይልን ፖሊስን እሞ ካብ ጸላኢ መንዚዕኻ’ምበር ዋላ ሓንቲ ናይ ወታሃደራዊን ሎጂስቲክስን ድጋፍ ዘይብሉ፣ ኣብ ዕጽዋን ክባን ዘሎ ህዝቢን፣ 360 ዲግሪ በቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሓይሊታት ዝተኸበበትን ናይ ዲፕሎማሲ ረኺቢ ዘይብላ ክልልን እዩ። እቲ ሕቶ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ክውንነት ዘሎ ሓደ ካልእ ናይ ሚሊታሪ መራሒ፣ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ኩምራ ሓውን ፀላእን “እንታይ ምወሰነ?” ዝብል እዩ። ኣነ “ኢዱ ምሃበ” ንበልኩ። ግና ከምኡ ኣይኮነን። ንምንታይ? ናይዚ መልሲ እዩ ነቲ ምስጥር ምፍላጥ,ናይ ቲዲፍ ዝፈትሖ። ቲዲኤፍ ካብዚ ዘይምኽንያታዊ (illogical) ዝመስልን ንምሕሳቡ ዘሽግርን ናይ’ቶም ክልተ ዘይመጣጠኑ ሓይልታት፣ ግጥም ዝተፈጠረ እዩ። ብኸመይ?
ብናተይ ፍልጠትን ኣረዳድኣን ታሪኽ፣ ከም ቲዲኤፍ ዝበለ ሓይሊ ኣብ ዓለም ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። ምኽንያቱም ናይ ቲዲኤፍ ኣፈጣጥራን ኣካይዳን ዘይልሙድ ናይ ሚሊታሪ ውዳበን ኦፕሬሽንን ጥራሕ ተይኮነስ ናይ ቡዙሓት ነገራት ድምር ዝወለዶ ህዝባዊን መንፈሳዊን (ሃማኖታዊ ማለት ኣይኮነን) ሓይሊ እዩ። ቲዲኤፍ ንኽፍጠር ዋና ምኽንያት እቲ ኣብ ህዝቢ ዝበጽሐ መሪር ግፍዒ፣ ምኽንያታዊ ዕላማ (justified cause) ፈጢሩ ተጋደልቲ ብዘይ ምውልዋል ግምባሮምን ኣፍልቦምን ብሕራነ ንዓረር እናሃቡ ምእንተ ህዝቢ ንኽኳሽሑ ጌርዎም። እዚ ሕራነ ድማ ብናይ ህዝቢ ትግራይ ኣይሰዓርን፣ ኣይግዛእን ዝብል ንቡር ታሪኽን ጽኑዕ መንፈስን ተሓቑፉን ተሓብሒቡን ረሲኑ። እዚ ዝረሰነ ህዝባዊ ሕራነ ድማ ብቲ ኣብቲ 17 ዓመት ቃልሲ ዝተዋህለለ ወታሃደራዊ መሪሕነት ተቓሊሱ ከይበታተንን እተገበረ። ህዝቢ ድማ ዋላ ኣብ ዕጽዋን ክባን ኮይኑ ብዝነበርዎ ውዳበታት እናተመርሐ፣ ንመራሕቱ፣ ንሰራዊቱ እናሓገዘ ካብ ኣፉን ኣፍ ህጻውንትን መንጢሉ ቐለበን ሓብሐበን። ምልሻ ኾይኑ ‘ውን ተዃሽሐ።
ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፍለጥ መንገዲ ነጋዶ፣ ፕሮፌሰራት፣ ከየንትን ዲፕሎማተኛታት ፖለቲከኛታትን፣ ጡረተኛ ጀነራላታትን ኮታስ ኩሉ ኣካል ማሕበረሰብ ድማ ዓሰለ። ኣብ ጽቡቕ ናብራን ኣብ ወጻኢን ዝነበሩን ኩሉ ይትረፍ ኢሎም ዝተጸምበሩ ‘ውን ዉሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ዳያስፖራ ዝነብር ትግራዋይ’ውን ናብራይ ይትረፈኒ ኢሉ ኣብ ናይ ዲፕሎማሲን ሚድያን ንዋት ምትእኽኻብን ዓብዪ ርብርብ ገበረ። ብሓጺሩ ቲዲኤፍ ትግራይን ትግራዋይነትን ብዘድንቕ ኣካይዳ ኣብ ሓደ ተጸምቢሩ ዝተፈጠረ ተራእዩ ዘይፍለጥ መንፈሳዊን ህዝባዊን ክስተት እዩ። ዘይክኣል ምኽኣልን ዘይጽወር ምጽዋርን ዘይሕሰብ ምሕሳብን ተደሚሩ ዝፈጠሮ ሓይሊ እዩ። ብዘይ እዚ ጥሙር መንፈስ ትዲፍ ኣይምተፈጠረን። ብዘይ ትዲፍ ድማ መንነት ትግራዋይነት ክጠፍእ ብዉሕድ ድማ ክራኸስ ኔሩ።
እሞ ከምዚ ዓይነት ኣንጸባራቒ ውርሲ ቲዲኤፍ ብኸመይ ንዕቅቦ? መልሱ ቐሊል ኮይኑ ምትግባሩ ግና ብሕዚኡ ይጽግመና ኣሎ። ኣብ ትግራይ 3 ደቅኻ ምስኣን ሓቂ’ምበር ፊልሚ እይኮነ። ገና ስድራታት ከይተረድኡ፣ ቁስሊ ከይሓወየ፣ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ከይተመልሱ፣ ዝስማዕ ዘሎ መሰከፊ ነገራት ኣይሽምባይዶ ንትዲኤፍስ ንቲ ንደሞዝ ኢሉ ዝዋጋእ ሰራዊት እኳ ኣይምጥንን። ‘ትዝግባእ ንናይ ቲዲኤፍ ሓድጊ ከም መበራበሪ ተጠቒምና፣ ብተመሳሳሊ መንፈስ ኣብ ሰላምን፣ ዴሞክራሲን፣ ልምዓትን፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምንጣፍ’ዩ። ንትዲፍ ክሳዕ ‘ትዝግብኦ ሓወልቲ ‘ንተኽለሉ፣ ኣብ’ዘን ጉዳያት እዚአን እንተውሓደ ክንዲ ርብዒ ትዲፍውን ዝኾን ምስራሕ እዩ።
ክምኡ ምስገበርና ጥራሕ እዩ ‘ተይሞትና ምንባርን ‘ተይቆሰልና ምምዕባልን ንጅምር፤ ከምመብዛሕቲኡ ህዝቢ ዓለም። ናይዚ መጀመርታ ድማ ንህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ብፍላይ ድማ ንግዕዝይናን ኢ-ፍትሓውነትን ፍጹም ዝጽየፍ ኣካይዳ ምትግባር እዩ። ‘ትዋና ሓወልቲ ናይ ቲዲኤፍ ሰላማዊትን፤ ዴሞክራሲያዊትን ልምዕትን ትግራይ ምህናጽ እዩ፣ ነዚይ ዘይምግባር ግና ናይቶም ብሹም ህዝቢን ቲዲኤፍን ዝተሰውኡን፣ ዝተጎዱኡን ሕድሪ ምዕባር እዩ። እዚ ካልኣይ ሞትን መጉዳእትን’ዩ። ንዝሞተሉ ዘየኽብር ማሕበረሰብ ዝሞተ እዩ።
ዘርኢሰናይ ኣለምሰገድ (ፕሮፌሰር)፣ ንሓሳባትኩም hantitigray@gmail.com