ንድፈ ሓሳብ ትካላውነት
ብዝሕ ዝበሉ ትካላውነት ዝቓንዩ ናይ ኣተሓሳስባ ኣስኳላት ዋላ’ኳ እንተሃለዉ እቶም ብንድፈ-ሓሳብ ዓብለልቲ ዝኾኑ ሰለስተ ስነ-ማሕበረ-ሰባዊ ትካላውነት፣ ምኽንያታዊ ምርጫን ታሪኻዊ ትካላውነትን እዮም።
ብስነ-ማሕበረ-ሰባዊ ትካላውነት ኣተሓሳስባ መሰረት ትካላት ንተዋነይቲ (actors) ናይ ምግዳብ ወይ ዕድል ናይ ምሃብ ኩነት ዝፈጥሩ እዮም። ትካል ናይ ተዋነይቲ ባህላዊ ልምዲ፣ ቅጥዒን ኣእምሮዊ መቓነ-መወከስ (cognitive frame of reference) ይድርቱ። ስነ-ማሕበረ-ሰባዊ ትካላውነት ሰልስተ ነንባዕሎም ዝተኣሳስሩ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ናይ መጀመርያ ናይ ሰብ ተግባር ኣብ ዓውዳዊ ማሕበረ-ሰባዊ ኩነት ይምስረት ይብል። ወኪል ብ ዋናነት ብዓውዲ ዝግራሕ እምበር ብዓላማ ዝምራሕ ኣይኮነን ይብል። ብወሳናይነት ብባህላዊ ስነ-መጎት ዝግራሕ እዩ። ካልኣይ እቶም ማሕበረ-ሰባዊ ዓውድታት ትካላውያን እዮም ይብል። ሳልሳይ ትካላት ኣብ ትሕተ-ንቑሕ ብርኪ ብምስራሕ ንሰባት ቁቡል ዝኾነ ባህላዊ መሰረተ-ልምዓት ይፈጥሩሎም ይብል። በዚ ኣተሓሳስባ መሰረት ትካል ማለት ባህላዊ ልምድታትን፣ ኣእምሮዊ መቓንን ልምድታት ዝሓዘ ምትእሰሳር እዩ። ለውጢ ምምሳል (imitation)፣ ምልማድን (adaptation) ደጊምካ ምጥቃም (reusing) ዝሓዘ ናይ ትካላውነት ከይዲ ተገይሩ ይውሰድ። ትኹረት ኣብ ተቋማት ይገብር።
ምኽንያታዊ ምርጫ ትካላውነት ካብ ኢኮኖሚክስ ፅንሰ-ሓሳብ ዝብገስ እንትኾን ተዋሳእቲ ናይ ባዕሎም ረብሓታት ንምዕዋት ኣብ ውሽጢ ትካላዊ ቅርፀ-መቓን ኮይኖም ዝበለፀ መንገዲ ከምዝመርፁ ዘቐምጥ ንድፈ-ሓሳባዊ መሰረት ኣለዎ። ትካል ማለት ኣብ ማሕበረ-ሰብ ናይ ፀወታ ሕጊ ዝሕንፅፅ ማለት እዩ። ለውጢ ብናይ ተዋነይቲ ፍቓድ ዝግበር ናይ ንቑሕ ንድፊ፣ ምኽንያታዊ ምምዕርራይ ፣ ምድርዳርን ምፅዋትን ከይዲ እዩ። ትኹረቱ ኣብ ውልቀ-ሰባዊ ተዋናይ ይገበር።
ታሪኻዊ ትካላውነት ኣብ ባህላውን ካልኩለስ ስነ-መጎትን ንድፈ-ሓሳባት መሰረት ዝገበረ እዩ። ትካላውነት ወግዓውን ዘይውግዓውን ኣካይዳታትን ፣ልማድን፣ ናይ ምልክት ስርዓታትን፣ ኣእምሮዊ ፅሕፈታትን ዝሓዘ ምትእስሳር ተባሂሉ ይትርጎም። ለውጢ ኣብ ናይ መጀመሪያ መትከልን ጉዕዞ-ዝተመርኮዘን ዓውዲ-ተኮር ዝኾነ ከይዲ ተገይሩ ይውሰድ። ትኹረቱ ስፍሕ ዝብለ ናይ ሃገር ትካላት ይገብር። ናይ ትካል ናይ ነዊሕ ግዜ ዕብየት የፅንዕ። ታሪኻዊ ትካላውነት ኣብ ጉዕዞ-ምርኮሳ ሓሳብ ዝተመስረተ እዩ። ጉዕዞ-ምርኮሳ ማለት ሓደ ናይ ትካላውነት መንገዲ ምስ ተጀመረ ንምቕያሩ ሓያል ወፃኢ ይሓትት ዝብል እዩ ። ጉዕዞ-ምርኮሳ ዓርሰ-ምብርትታዕ ዑደት ይፈጥር ኣብ ዝብል ኣምር ዝተመስረተ እዩ።
ትካላት ናይ ተዋነይቲ ባህሪ ንምቕራፅ ሰለስተ ኣገባባት ይጥቀሙ። እቶም ኣገባባት ወግዓዊን ዝተፅሓፉ ሕግታት (rules)፣ ዘይወግዓዊን ብተግባር ዝርኣዩ ልምምዳት ን ዝዝረቡ ተረኻት/ዛንታታት እዮም። ማሕበረ-ሰባዊ ትካላውያን ትካላት ናይ ውልቀ-ሰባት ክብርታት፣ ልምድታት፣ ባህግታት፣ መንነትን እምነትን ብምቕራፅ ባህሪ ይገርሑ ኢሎም ይከራኸሩ። ምኽንያታዊ ምርጫ ትካላውያን ክዓ ትካላት ናይ መበረታትዒ መንገድታትን ናይ ኢንፎርሜሽን ፍሰትን ብምጥቃም ተግባራት ዝምረፅሉ ናይ ኩነታት ቅርፂ ብምቕራፅ ብተዘዋዋሪ ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ባህሪ ተፅዕኖ ይፈጥሩ። ህንፃዊ ትካላውነት ትካላት ናይ ፖለቲካዊ ተግባር ንምግላፅ፣ ንምትግባር ወይ ሕጋዊ ንምግባር ዝሕግዙ ናይ ትርጉም መቓን ብምጥቃም ባህሪ ይገርሑ ይብል። ኣብ ድልዱል ናይ ትካላዊ ኣሰራርዓ ትካላት ቁፅፅራዊ፣ ኣላማዲን ህንፃዊ መንግድታት ብምጥቃም ባህሪ ይገርሑ።
ሓይሊ ንትካላውነት ብዝምልከት ዓርባዕተ መነፅራት ኣለዉዎ። ንሳቶም ክኣ ብዙሕነት፣ ልሂቃዊነት ፣ ማርክሲስምን ድሕረ-ቅርፃውነት እዮም። ሓይሊ ብዙሕነት ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ብዙሓት ጉጅለታት ዝተበተነ እዩ ዝብል ቁም-ነገር ኣለዎ። ልሂቃዊነት ክኣ ሓይሊ ኣብ ዝተወሰኑ ሃገራዊ መንግስቲ፣ ዓበይቲ ኮርፐሬሽናትን ወታደራውን ዝተኣከበ እዩ ዝብል ቁም-ነገር ኣለዎ። ሓይሊ ማርክሲዝም ናይ ኢኮኖሚ ሓይሊ እዩ ዝብል ቁም-ነገር ኣለዎ። ድሕረ-ቅርፃውነት ክኣ ሓይሊ ዝተበተነን ኣብ ኩሉ ዝርከብ ምቅፅፃር ዘይክኣል ኢሉ የቐምጦ። ናይ ትካላውነት ዓምድታት ባህላዊ-ኣእምሮዊ፣ ኣማዓራዪን ቁፅፅራውን እዮም።
ትካል ዝተፈላለዩ ጥቕምታት ኣለዎ። ትካል ባህላዊ ክብርታት የቐፅል፣ ባህላዊ ክብርታት ነገራዊ ሓይሊ ክረኽቡ ይገብር፣ እቶም ክብርታት ይከላኸል። ትካል ሓድሽ ባህላዊ ክብርታት ይፈጥር። ትካል ምርግጋእን ቀፃልነትን ይፈጥር። ትካል ናይ ማሕበረ-ሰብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያውን ማሕበረ-ሰባውን መስተጋብር ዝቓንዩ ናይ ፀወታ ሕግታት የቐምጥ። ትካል ደቂ-ሰባት ካብ ናይ ባዕሎም ስሕተት እውን ይከላኸለሎም። ናይ ትካላውነት ዋና ተግባራት ባህሪን ልምድን ምግራሕ፣ ግርጨት ምምሕዳርን ስምረትን/ምትሕብባርን ምፍጣር እዮም።
ትካላት ዘማልእዎም መስፈርትታት ፍሉይ መንነትን ዓቕምን ምህላው ጠንካራ ዝናን ሕጋዊ ተቐባልነትን ምህላው ከምኡ ‘ውን ቀፃልነት ምህላው እዮም።
ናይ ትካላውነት ዓላማታት ጠንካራ፣ ቀፃሊ፣ ዲሞክራስያዊ፣ ኣሳታፋይ ሃገር ምፍጣር፣ ጠንካራ፣ ተገማታይ፣ ኢኮኖሚ ምፍጣር፣ ሲስተሚክን ሲስተማቲክን ምሃዛይነት ምምዕባልን ህዝባዊ ስምረት ምምዕባልን እዮም።
ንድፈ-ሓሳብ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ
መንግስታዊ ምሕደራ ብዝምልከት ሰለስተ ዝተፈላላዩ ሞዴላት ኣለው። እቲ ናይ መጀመርያ ሞዴል ካብ 16 ክፍለ-ዘመን ክሳብ 1980ታት ዝፀንሐ ፅንስ-ሓሳብ ተለምዶኣዊ ተዋረድ መሰረት ዝገበረ መንግስታዊ ምምሕዳር እዩ። ተዋረዳዊ ርክብ ናይ መንግስቲ መዋቕር ይቐርፅ። ቢሮክራስያዊ መንግስቲ ዝፈጥር እዩ። ሕጊ ገዛኢ ሓሳብ እዩ። ትኹረት ኣብ ሕጊ ዝገብር ከዓ እዩ። ቀንዲ መመዘኒ ዘይሻራውነት እዩ። ተሓታትነት ንፖለቲከኛታት ዝገብር ሞዴል እዩ። እቲ ኣብ 1980ታት ዝተኣታተወ ፅንሰ ሓሳብ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ሓዱሽ መንግስታዊ ኣመሓድራ እዩ። ናይ ዕዳጋ ተምሳሌት ናብ መንግስቲ ዘምፅአ ፅንስ-ሓሳብ እዩ። ናይ ውድድር ርክብ ናይ መንግስቲ መዋቕር ይቐርፅ። ውድድራዊ መንግስቲ ዝፈጥር እዩ። ውፂኢት ተኮር እዩ። ቀንዲ መመዘኒ ሞያዊነት እዩ። ተሓታትነት ንዓሚል ዝገብር ሞዴል እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን ትኹረት ዝስሕብ ዘሎ ፅንስ-ሓሳብ ምሕደራ ክኣ ምትእስሳር መሰረት ዝገበረ ዝውለድ ዘሎ ሞዴል እዩ። ትሕብብራዊ ርክብ ናይ መንግስቲ መዋቕር ይቐርፅ። ትሕብብራዊ መንግስቲ ዝፈጥር እዩ። ምትእስሳር ተኮር እዩ። ቀንዲ መመዘኒ መላሽነት እዩ። ተሓታትነት ንዜጋታትን መዳርግቲ ኣካላትን ዝገብር እዩ።
ቀፃልነት ዘለዎም ትካላት ባህሪ
ቀፃልነት ናይ ትካላት ንምርግጋፅ ትካላት ዝተፈላለዩ ተቓርኖታት ንኣብነት ትካላዊ መንነትን ዓለምለኻዊ ውህደትን፣ ምርግጋእን ለውጥን፣ ዓቃብነትን ፈጣርነትን፣ ቁፅፅርን ኣኽኣልነትን፣ ወግዓውን ዘይወግዓውን፣ ውልቃውን ማሕበረ-ሰባውን ሂወት፣ ወልቀ-ሰባዊ ባህጊን ትካላዊ ተልእኾን፣ ፖለቲካውን ቴክኒካውን፣ ሕቡዕን ግሁድን ፣ ቅርፂ- ወኪል ምፍታሕ የድልዮም።
ቀፃልነት ዘለዎም ትካላት ልዕበታዊነት፣ ተዓፃፃፋይነት፣ መላሺነት፣ ዘይምእኹልነት፣ ተመላስነት፣ ዓርሰ-ወዳቢነት፣ ስርዓታዊነት፣ ተመሃራይነት፣ ኣሳታፋይነት፣ ነንባዕሎም ዝበረታትዑ ከይድታት ባህርታት ኣለዎም።
ኣሳተፍቲ ትካላት ማሕበረ-ሰብ ከከም ብቕዓቱን ክእለቱንን ተሳቲፉ ክለምዕ ዝፈቕዱን ዘበረታትዑን እንትኾኑ ንናይ ሃገር ቀፃሊ ዕብየት መሰረት እዮም። እቶም ትካላት እውን ቀፃልነት ኣለዎም። እዚኦም ትካላት ብቐፃልነት ሃፍቲ ንኽፍጠር ዝገብሩ እዮም። ፈጠራዊ ንስተት ዝፈቕዱ እዮም። በዝባዛዊ ባህሪ ዘለዎም ትካላት ክኣ ናይ ብዙሕነት ተሳትፎ ዘቕህሙን ዝፈረየ ሃፍቲ ዘጠፋፍኡን እዮም። ፈጠራዊ ንስተት ዘይፈቕዱ እዮም። እዞም ትካላት እዚኣቶም ናይ ሃገር ውደቀት መሰረት እዮም። ቀፃልነት እውን የብሎምን። ኣሳታፋይነትን ምትሕባባርን ናይ ትካላት ቀፃልነት የውሕስ
ናይ ትካላውነት ፀፍሕታት
ትካላውነት ንምፅናዕ ናይ ኦሊቨር ዊልያምሰን ዓርባዕተ ፀፍሕታት ናይ ማሕበረ-ሰባዊ ትንተና መቓነ-መወከሲ ምጥቃም ይካኣል። እቲ ዝልዓለ ፀፍሒ ነቶም ታሕተዎት ፀፍሕታት ዝገርሖም እንትኾን እቶም ታሕተዎት ፀፍሕታት ክኣ ነቲ ላዕለዋይ ፀፍሒ ተፅዕኖ ይፈጥሩሉ።
ናይ መጀመርያ ፀፍሒ ናይ ሰረትነት ፀፍሒ እዩ። እዚ ፀፍሒ እዚ ዘይወግዓዊ፣ ረቂቕን ዘይርኣይን ፀፍሒ እንትኾን ብርኪ ንቕሓት-ህሊና፣ ልቦናዊ መዋቕር፣ ዓለማዊ ምልከታ፣ ክብርታት፣ እምነታት፣ኣእምሮዊ መቓን-መወከሲን ቅቡላት ሓሳባትን፣ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። እዚ ፀፍሒ ኣብ ማሕበረ-ሰባዊ ፅንስ-ሓሰብ ዝተመስረተ እዩ። እዚ ፀፍሒ እዚ ሕመረት ናይቲ ትካል ተባሂሉ ዝውሰድ እዩ። ነቶም ካልኦት ዝገርሖም እዚ ፀፍሒ እዩ። እዚ ፀፍሒ ነዊሕ ግዜ ናይ ምፅናሕ ተኽእሎ ኣለዎ። መበቆል ናይዚ ፀፍሒ ፍኑውነት ኣለዎ።
እቲ ካልኣይ ፀፍሒ ናይ ትካላዊ ከባቢ ፀፍሒ እዩ። እዚ ፀፍሒ ወግዓዊ ሕግታት ዝሓዘ ፀፍሒ እዩ። ደቂ ሰባት ወግዓዊ ሕግታት ብምጥቃም ዝቐርፅዎ ከባቢ እዩ። እዚ ፀፍሒ ኣብ ናይ ንብረት ኢኮኖሚክስን እወንታዊ ፖለቲካዊ ፅንሰ-ሓሳብ ዝተመስረተ እዩ። እዚ ፀፍሒ ናይ ፀወታ ሕጊ ዝሕንፅፅ እዩ ። እዚ ፀፍሒ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ሕጋዊ ስርዓትን መንግስታዊ መዋቕርን፣ ናይ ንብረት መሰላት ዝሓዘ እዩ። ናይዚ ፀፍሒ እዚ ዓላማ ትኽክለኛ ትካላዊ ከባቢ ምፍጣር እዩ። ካብቲ ዝለዓለ ፀፍሒ ኣንፃር ዝሓፀረ ግዜ ይፀንሕ።
እቲ ሳልሳይ ፀፍሒ ናይ ምሕደራ ፀፍሒ እዩ። እዚ ፀፍሒ ናይ ምሕደራ ባህሪ ዝቐርፅን ኣብ መንጎ ተዋነይቲ ዘሎ መስተጋብር ዝገርሕ እዩ። ናይቲ ፀወታ ኣፀዋውታ ዝቐርፅ ፀፍሒ እዩ። እቲ ፀዋታ ዝኽሰተሉ ኩነታት ዝፈጥር እዩ። ኣብ ናይ ወፃኢ ኢኮኖሚክስ ዕማም ዝተመስረተ እዩ። እዚ ፀፍሒ እዚ ንምሕደራ ዝጠቕሙ ትካላት ንኣብነት ዕዳጋ፣ ቢሮታት፣ ምትእስሳራት፣ ፖሊሲ፣ ሕግታት፣ ናይ ፖሊሲ መሳርሕታት ዝሓዘ እዩ። ናይ ኮንትራት ርክባት ዝገርሕ ፀፍሒ እዩ። ዋና ዓላምኡ ትኽክለኛ ናይ ምሕደራ መዋቕር ምፍጣር እዩ። ካብቶም ላዕለዎት ፀፍሕታት ኣንፃር ንሓፂር ግዜ ይፀንሕ።
እቲ ራብዓይ ፀፍሒ ናይ ባህሪ ፀፍሒ እዩ። እዚ ናይ ኢኮኖሚ ንጥፈታት፣ ናይ ሃፍቲ ምደባ፣ ስራሕ ዝሓዘ ፀፍሒ እዩ። ኣብ ኒዮ-ክላሲካል ኢኮኖሚክስ ፅንሰ-ሓሳብ ዝተመስረተ እዩ።
ኤድጋር ናይ ትካላት ባህሊ ኣብ ሰለስተ ፀፍሕታት ይኸፍሎም። እቲ ናይ መጀመርያ ደጋዊ ፀፍሒ ተግባራት፣ ትካላዊ መዋቕርን ከይድታት ዝሓዘ እንትኾን ዝርአ ፀፍሒ እዩ። ኣብ ማዕኸል ዘሎ ፀፍሒ ናይ ክብርታት ፀፍሒ እዩ። እዚ ፀፍሒ እዚ ንምንታይ ሓደ ትካል ከም ዝትከል ዝገርሕ ፀፍሒ እዩ። ናይ ትካል ፍልስፍናታት፣ ዓላማታት፣ ስትራተጂታት ዝሓዘ እዩ። እቲ ሳልሳይ ብጣዕሚ ረቒቕ ፀፍሒ ናይ ገራሕቲ እሳቤታት ፀፍሒ እዩ። እዞም እሳቤታት ንክብርታትን ንተግባራትን መሰረት ኮይኖም ዘገልግሉ እዮም። እዚ ፀፍሒ ሓሳባት፣ እምነታት፣ ርእየታትን ስምዒታትን ዝሓዘ እዩ። እዚ ፀፍሒ እዚ ዘይንቑሕ እዩ።
ትካላውነትን ኣይዶሎጂን
ትካላት ናይ ሃገር ቀፃልነት ዘውሕሱ ስለ ዝኾኑ ሕመረት (core) ናይ ትካላት ስግረ ናይ ሓደ ፓርቲ ኣይዶሎጂ ክኾን ይግባእ። ምስ ህዝባዊ ባህጊ ዘይተኣሳሰሩ ናይ ፖርቲ ኣይዶሎጂ ምትእትታው ኣብ ትካላውነት ሂወት ዘይብሎም ስናዕ (artificial) ትካላዊ ባህርታት ይፈጥሩ።
ልምዓት ኢኮኖሚ ዝገርሑ ቀፀላታት ትካላውነት
ናይ ሓደ ሀገር ልምዓት ኢኮኖሚ ዝውስኑ ሓሙሽተ ፀፍሕታት ትካላውነት ኣለዉ። እቲ ደጋዊ ናይ መጀመርያ ፀፍሒ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ዘሎ መስተጋብር እዩ። እቲ ቀፂሉ ዝርከብ ፀፍሒ ኣብ መንጎ ትካላት ዘሎ መስተጋብር እዩ። እቲ ቀፂሉ ዝልዓለ ተፅዕኖ ዝፍጥር ፀፍሒ ሕገ-መንግስቲ፣ ኣዋጃት፣ ደንብታት፣ ናይ ሕጋውነት ብርኪ ዝሓዘ ወግኣዊ ትካላውነት እዩ። ካብዚ ዝልዓለ ተፅእኖ ዝፍጠር ቀፃሊ ውሽጣዊ ፀፍሒ ናይ ማሕበረ-ሰብ ስነ-ሓሳብ፣ ባህሊ፣ ልምድታት፣ ታሪኽ፣ ሃይማኖት፣ ተለምዶታት ዝሓዘ ዘይወግዓዊ ትካላውነት እዩ። ቀፂሉ ዘሎ ናይ ፖሊቲካዊ መሪሕነት እዩ። ልምዓታዊ ባህሪ ናይ ፖለቲካዊ መሪሕነት እቲ ዝለዓለ ተፅእኖ ዝፈጥር ረቛሒ እዩ። ቀፂሉ ዘሎ ቀፀላ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ እዩ።
ኣብ ዓለም ትካላውነት ካበይ ናበይ ይኸይ ድኣሎ?
ናይትካላውነት ዓለማዊ ርእየት/ኩትሞ
ትካላት ካብ ዝተሓተ ናይ ውስብስብነትን ውህደትን ብርኪ ናብ ዝልዓለ ናይ ውስብስነትን ውህደትን ብርኪ ይዓቢ ኣሎ። እቲ ዝለዓለ ኩትሞ ናይቲ ቀዲሙ ዝነበረ ኩትሞ ዓቕምታት ዋላ እንተወሃሃደ ትኹረቱ ግን ኣብታ እዋናዊት ኩትሞ ይገብር። ናይ ትካላት መዋቕር ብናይ ወዲ ሰብ ልቦናዊ መዋቕር ይግራሕ። ናይ ትካላት ኩትሞ በቲ ናይ መሪሕነት ኩትሞ ይውሰን። እቶም ናይ ትካላውነት ኩትሞታት ዕብየት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ናይ መጀመርያ ናይ ትካላውነት ዓለማዊ ርእየት ናይ ኣካላዊ ሓይሊ ትካላውነት እዩ ። ኣብዚ ብርኪ ዋና ትኹረት ዝውሃቦ ርእየት/ኣጠማምታ ግብታዊ ሓይሊ እዩ። ኣብዚ ኩትሞ ‘ዚ ሰባት ናይ ኣነነት ኣፈላላይ ንፈለማ ዝፈጠርሉ ኩነት ስለዘሎ እቲ ኣነነት ዝፈጠሮ ፍርሒ ዓብላላይ ግደ ኣለዎ። ከባቢ ሓደገኛ ገይሩ እዩ ዝርአ። ኣብዚ ኩትሞ ዘለው ሰባት ናይ ካልኦት ስምዒት ንምርዳእ ኣይኽእሉን እዮም። ዋልታዊ ፀሊም ወይ ፃዕዳ ናይ ምሕሳብ ከይዲ ኣሎ። ፍርሒ መሰረት ዝገበረ ግብታዊ ሓይሊ ዋና መወደቢ ኮይኑ ይርአ። ግብታዊ ሓይሊ ዘለዎ መራሒ ዝኾነሉ ኩትሞ እዩ እዚ ኩትሞ እዚ።ናይ ኣነነት-ኣፈላላይ እውን ናይ ግደ ኣፈላላይ ይፈጥር። ዋና ውደባዊ ፈጠራታት ኣብዚ ኩትሞ እዚ ናይ ኣነነት-ኣፈላላይ ዝፈጠሮ ናይ ስራሕ ክፍፍልን ግብታዊ ሓይሊ ዝፈጠሮ ናይ ትእዛዝ ስልጣንን እዮም። ግብታዊነት ዋና ባህሪ ናይዚ ኩትሞ እዩ። ኣካላዊ ሓይሊ እቲ ወሳናይ ሓይሊ እዩ። ኣካላዊ ጥንካረ ዋና መዐቀኒ ዝኾነሉ ዓለማዊ ምልከታ እዩ። እዚ ኩትሞ ዝኽተሉ ናይ መጀመርያ ትካላት ኣጥቃዕቲ ስራዊት እዮም ነይሮም። እዚ ትካል እዚ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጥራሕ እዩ ምትኳር ዝኽእል፣ ምትላምን ስትራተጂ ምውፃእን ኣይኽእልን። ንዝመፁ ስግኣታት ግብረ-መልሲ ምሃብ እዩ ዝኽእል። ሓባሪ ናይዚ ትካላዊ ተምሳሌት (metaphor) ተኹላ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ትካላዊ ምልከታ ዝህሉ ኣገዳሲ ሕቶን ፈተናን ርግኣት ምፍጣር እዩ። በዚ ኩትሞዚ ዝግርሑ ትካላት ኣብነት ማፍያ፣ ቀቢላዊ ምልሻን ናይ ጎደና ጭፍራን እዮም።
እቲ ቀፂሉ ዝመፀ ካልአዋይ ትካላዊ ኩትሞ ስዓብነት-ኣዛዛይነት ትካላውነት እዩ። ኣብዚ ኩትሞ እዚ እቲ ትኹረት ዝግበረሉ ምልከታ ስዓቢነት/ተኸታልነት እዩ። ኣብዚ ትካላዊ ምልከታ እዚ ኣነነት ዓብዩ ናይ ካልኦት ስምዒት እውን ምርዳእ ዝጅመረሉን ማሕበረ-ሰባዊ ኽብሪ ዓብላላይ ቦታ ዝሕዘሉ ኩነት እዩ። ማሕበረ-ሰባዊ መንነት ጎሊሁ ዝረኣየሉ ምልከታ እዩ። ማሕበረ-ሰባዊ ሕግታትን ትኽክልን ስሕተትን ዝፈልዩ ናይ ሞራል መነፅራት ጎሊሆም ዝረኣይሉ ናይ ንቕሓተ-ህሊና ብርኪ እዩ። ስርዓት፣ ርግዓትን ተገማታይነትን ባህጊ ዓብላሊ ስለዝኾነ እዚኦም ናይ ምፍጣር ዓላማ ትኹረት ዝረኽበሉ ትካላዊ ምልከታ እዩ። ሓቂ ብናይ ኔውቶን መነፅር ዝረአየሉ እዩ። ናይ ምንጪን/መንቀልን ሳዕቤንን ዝምድና ምርዳእ ኣሎ። ናይ ግዜ ኣጠማምታ መስመራዊ ኮይኑ (ሕሉፍ፣ ሕጂ፣ መፃኢ) መፃኢ ምእማት ዝካኣለሉ ኩትሞ እዩ። ዓርሰ-ዲስፕሊንን መፃኢ ናይ ምእማትን ዓቕምታት ዝህነፀሉ ብርኪ እዩ። መንነት ኣብ ንሕናን ንሳቶምን ዝተመርኮዘ ዝኾነሉ ምልከታ እዩ። ካብ ናይ ሓያላት ሰባት ግብታዊ ባህሪ ዝተመስረተ ማሕበረ-ሰባዊ መዋቕር ናብ ናይ ኣብ ቤሮክራሲ ዝተመስረተ ርግዓት ዘለዎ መዋቕር ይሳገር። መንነታትን ግደታትን ዓብዪ ቦታ ኣለዎም። ዝልዓለ ናይ ቀፀላታት ምክፍፋልን ተዋረዳዊነት ባህሪ ኣለዎ። ኣብዚ ኩትሞ ‘ዚ ክልተ ወሰንቲ ፈጠራታት ኣለዉ። ሓደ ትካላት ማዕኸላይን ነዊሕ ግዜን ምትላም ምኽኣል እንትኸውን፣ እቲ ካልኣይ ኸዓ ትካላት ዝተረጋግአን ዝዓብን ትካላዊ መዋቕራት ምፍጣር ምኽኣል እዩ። ትካላት ናይ ነዊሕ ግዜ ትልሚ ንምፍፃም ናይ ከይዲ መስርሕ የተኣታትዋ። ከይዲ ሕሉፍ ተሞክሮ ናብ ቀፃሊ ዘሕልፍ መስርሕ እዩ። ከይድታት ተሞክሮ ካብ ውልቀ-ሰባት ናብ ትካላት ምስግጋር ኣኽኢሎም። ዓለም ኣብ ዘይቕየሩ ሕግታት ዝተምስረተት እያ እተን ሕጊታት ኸዓ ንሕና ኢና ንፈልጠን ዝብል እምነት ስለዘሎን ለውጢ ብጥርጣረ ናይ ምርኣይ ኩነት ኣሎ። ሓይሊ ምርግጋእ ንኽህልዎ ናይ ስዓብነት ምልከታ ሹመት/ማዕርግ፣ ተዋረድን ትካላዊ ማሓውርን ይጥቀም። ምትላምን ምትግባርን ዝተነፃፀሉ እዮም፣ ምሕሳብ ኣብ ላዕሊ ናይቲ ተዋረድ ይፍፀም፣ ምትግባር ኸዓ ኣብ ታሕቲ ናይ ተዋረድ ይፍፀም። ውሳነታት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ይወርዱ። ሕጋዊ መስርሓት ባህሪ ናይ ሰብ ንምቕራፅ ወሳነይ ግደ ይፃወቱ። እቲ ትካላዊ ምልከታ ቁፅፅር ዝዓብለሎ እዩ። ኣብዚ ኩትሞ ‘ዚ ሰራሕተኛታት ህኩያት እዮም፣ ቁፅፅር እንተዘይተጌርሎም ኣይሰርሑን ዝብል ዓለማዊ ምልከታ ኣለዎ። ሰባት ዝቀያየሩ ሃፍትታት እዮም። ናይ ሰባት ታለንት ትኹረት የብሉን። ምህዞ፣ ምሕሳብን ዓርስኻ ምግላፅን ቦታ የብሉን። ናይ ኢንፎርሜሽን ሚስጥራዊነት ኣሎ፣ ኢንፎርሜሽን ንዝምልከቶ ዝብሃል ጥራሕ ተበፅሓይ ይግበር። ተዋረዳዊ ቀፀላታት ዝልዓሉ/ነዋሕቲ እዮም። ሓባሪ ተምሳሌት ሰራዊት እዩ። ናይዚ ኩትሞ ‘ዚ ትካላት ኣብነታት ቤተ-ክርስትያን፣ ወታደራዊ ሓይሊን ገለ ናይ መንግስቲ ትካላትን እዮም። እዚ ናይ ትካላዊ ምልከታ ስርዓት ምርግጋዕን ተገማታይነትን ዋላ ‘ኳ እንተፈጠረ ዕብየት ናይ ምፍጣር ዓቕሙ ግና ድሩት ብምዃኑ ናይ ዕብየት፣ ምህዞ፣ ናይ ሰባት ታለንትን ናይ ዘይምጥቃምን ዘይምዕባይን ብድሆታት/ፈተናታት ኣለዎ።
እቲ ሳልሳይ ዝመፀ ትካላዊ ኩትሞ ናይ ውፅኢት ኩትሞ እዩ። ኣብዚ ኩትሞ ዓርሰ-ኣነነት (ዓርሰ-መንነት) ብምዕባዩ ዓርሰ ብልሕነት (ታለንት) ናይ ምግላፅ ባህጊ ይዓቢ። ኣነነት ኣብዝልዓለ ጠርዚ ይበፅሕ። ናይ ምሒር ቑፅፅር ኣካይዳ ናይ ሰዓቢነት ኩትሞ ናይ ሓርነት ድሌት የነቓቓሕ። ኣብዚ ኩትሞ ‘ዚ ካብ ዓለም ብዘይቕየሩ ሕግታት ትግዛእ ቀዋሚት ዓለም ዝብል ናይ ፍልጠታዊ ምልከታ ሓቂ እትምርመርን እትርዳእን እዩ ዝብል ምልከታ ተሳጊሩ። ትኽኽል ወይ ስሕተት ዝብል መስፈርት ዝሰርሕን ዘይሰርሕን ብዝብል መስፈርት ተቑይሩ። ንምውሳን ናይ ኣድማዕነት መስፈረት ወሳናይ ኮይኑ፣ ኣድማዕነት ንናይ ሞራል ሕግታት ተኪኢዎ። ምዕዋትን ውፅኢት ምምፃእን ወሳነይ እዩ። ምሕታትን ምምርማርን ልምዲ ኮይኑ። ካብ ሓባራዊ ኣካይዳ ናብ ውልቀ-ሰባዊ ምሕሳብ ዝዘንበለ ኩነተ-ኣእምሮ ተፈጢሩ። ውልቀ-ሰባት ናይ ባዕሎም ዓላማ ንምፍፃም ዝፅዕርሉ ኩነት ኣሎ። ግኡዛውነት ዝዓብለሎ ዓለማዊ ምልከታ ኣሎ። መፃኢ ተኮርነት ኣሎ። እዚ ትካላዊ ኩትሞ ‘ዚ ዝፈጠሮም ሰለስተ ፈጠራታት ኣለዎ። እቲ ናይ መጀመርያ ምህዞ እዩ። ቀዲሙ ዝነበረ ኣካይዳ ብምምርማርን ብምስጋርን ሓደሽቲ ምህዞታት ምምፃእ ተኻኢሉ። ምሕታትን ምምርማር ናይ ምህዞ ባህሊ ፈጢሩ። እቲ ካልኣይ ፈጠራ ተሓታትነት ምስፋን እዩ። ሰባት ነፃነት ሃሊዩዎም ፈጠራን ብልሖምን (ታለንትኦምን) ንኸንፀባርቑ ብምፍቃድ ነቲ ነፃነት ዝምጥን ተሓታትነት ተፈጢሩ። ካብ ምእዛዝን ምቑፅፃርን ናብ ምትንባይን ምቑፅፃርን ተሰጋጊሩ። ላዕለዋይ ፀፍሒ እቲ ትካል ዓበይቲ ዓላማታት ይንፅር፣ ውልቀ-ሰባት ነቲ ዓላማ ንምዕዋት ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ መንግድታት ክኽተሉ ይፈቅድ፣ ነዚ ዝምጥን ተሓታትነት ኸዓ ይህሉ። እቲ ሳልሳይ ፈጠራ ናይ ብቕዓት ቤሮክራሲ ምፍጣር እዩ። ዋና ትኹረት ናይቲ ትካል ናይ ሰባት ብቕዓት ዝገበረ እዩ። ሰባት ብቕዓቶም ዘዕብዩሉ ዕድል ዝፈጥርን ብቕዓት ዘለዎ ዝግብኦ ቦታ ዝረኽበሉ ኩነተ-ኣእምሮ እዩ። ብቕዓት ንሽመት፣ ተዋረዳዊ ቀፀላታት ተኪኡ። መንነት ብዋናነት ናይ ኣድማዕነት ብቕዓት ኮይኑ። ናይ ከምዚ ዓይነት ትካላት ሓባሪ ተምሳሌት ማሽን እዩ። ዋና ልምዲ መፍጠሪ መንገዲ መተባብዒ መሳርሕታት ምጥቃም እዩ። ውድድር ዘለሉ ኩትሞ እዩ። እዚ ኩትሞ እዚ ናይ ዕብየት ሕቶታት ዋላ እንተመለሰ ናይ ኣሳታፍነት፣ ምሒር ናይ ግኡዛውነት ብምትኳር ናይ ወዲ ሰባት ድሌት ግኡዛዊ ጥራሕ ንምግባር ምፅዓሩ፣ ፍቕሪ፣ ህያውነት ዝኣመሰሉ ባህግታት ደቂ-ሰባት ስለዝረስዖም ቀፃሊ ፈተናታት ፈጢሩ።
እቲ ራብዓይ ኩትሞ ናይ ኣሳታፋይነትን ምትእስሳርን ትካላዊ ምልከታ እዩ። ሰባት ካብ ምዕዋት ድሌት ብዝዘለለ ምስ ካልኦት ናይ ምትእስሳርን ሰባት ናይ ምድማፅን ባህግታት ዝዕብልሉሉ ምልከታ እዩ። ካብ ምዕዋትን ምውዳቕን ምልከታ ዝሰገረ ካልእ ሂወት ኣሎ ዝብል ዓለማዊ ምልከታ ኣለዎ። ኩሎም መነፅራት ክድመፁን ክካተቱን ኣለዎም ዝብል እምነት ኣለዎ። ርትዓውነት፣ ማዕርነት፣ ስምረት፣ ማሕበርሰብ፣ ምትሕብባርን ናይ ሓባር ስምምዕን ክብርታት ይብህግ። ስምረት ዘለዎ ምትእስሳር ናይ ምፍጣር ዓላማ ኣለዎ። ምትእስስራት ካብ ውፅኢትን ላዕሊ ዋጋ ይውሃቦም። ማሕበረ-ሰብ ዘሳተፈ ለውጢ ትኹረት ይህብ። በዚ ኩትሞ መሰረት መሪሕነት ንማሕበረ-ሰብ ኣገልግሎት ምሃብ ማለት እዩ። ኩትሞ ኣሳታፋይነት ቀዲሞም ዝነበሩ መዋቕራት ንምፍራስ ዋላ ‘ኳ እንተገልገለ፣ ካብ ተግባራዊነት ኣንፃር ኣማራፅታት ናይ ምምፃእ ፈተና ኣለዎ። ኣሳታፋይነት ምልከታ ሰልስተ ፈጠራታት ኣምፂኡ። እቲ ሓደ ናይ ኣኽኣልነት ኣካይዳ እንትኸውን ውሳነታት ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስራሕተኛ ንኽውስኖ ይገበር። እቱ ካልኣይ ሓባራዊ ባህሊን ኣነቓቓሒ ዓላማ መሰረት ዝገበረ ትካላውነት ንኽፍጠር ገይሩ። ባህሊ ንጉስ ዝኾነሉ ትካላውነት እዩ። ሳልሳይ ናይ ዝተፈላለዩ ብዓል-ብርኪ መነፅራት ምክታት እዩ። ናይዚ ኩትሞ ሓባሪ ተምሳሌት ቤተ-ሰብ እዩ። እዚ ኩትሞ ናይ ተሳታፋይነት ባህጊ ዋላ እንተሳኽአ ናይ ሰባት ሙሉእ ሂወት ናይ ምንባር ባህጊ፣ ናይ ተመላስነት ዓቕሚ ድሌትን ዓለም-ለኻዊ ደርማሳዊ ደጋዊ ብድሆታት/ፈተናታት ኮይኖሞ። እቲ ዝልዓለ ናይ ትካላውነት ኩትሞ ናይ ዓርሰ-ምሕደራ ዓርሰ-ውደባ ውሁድነት ምልከታ እዩ። ኣብዚ ኩትሞ እዚ ምስ ኣነነት (Ego) ዘሎ ምጥባቕ ዝሃሰሰ እንትኸውን ናይ ኣነነት ፍርሕታት ምግራሕ ዝካኣለሉ ኩነተ-ኣእምሮ እዩ። ናይ ሂወት ብርካተ ምእማን ዘኽእል ዓቕሚ ዝፈጠር እዩ። ንምውሳን ናይ ውሽጢ ኮምፓስ ዝጥቀም እዩ። ሂወት ከም ናይ ፍልቀታዊነት ጉዕዞ ዝርእይ ዓላማዊ ምልከታ እዩ። ካብ ጉድለት-ተኮር ኣጠማምታ (ናብ ጥንካረ-ተኮር ኣጠማምታ ምስጋር ኣሎ። ፈተናታት/ብድሆታት ከም መምሀሪ ዝሪኢ ምልከታ እዩ። ፃዕዳን ፀሊምን ኣተሓሳስባ ዝሰገረ ኣጠማምታ እዩ። ናይ ዓርሰ ዝምድና ሙሉእነት ናይ ምፍጣር ባህጊ እቲ ገዛኢ ባህጊ እዩ። እዚ ኩትሞ ሰለስተ ፈጠራታት ኣለዎ። ሓደ ናይ ሰባት ዓርሰ-ምሕደራ ዓቕሚ እዩ። ሰባት ባዕሎም ንኸምሓድሩ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ኩሎም ሰባት ሓይሊ ንኽህልዎም ዘኽእል እዩ። ካልኣይ ናይ ሙሉእነት ሂውት ምንባር እዩ። ሰባት ናይ ውሽጣዊ ሙሉእነት ማለት’ውን ኣካላዊ፣ ስምዒታዊ፣ ኣእምሮዊ፣ ቴክኒካዊ፣ ስነ-ልቦናዊ መንነቶም ብሙሉእነት ዘንፀባርቕሉ ትካላዊ ምልከታ እዩ። ዝተፈላላዩ ተቓርኖታት ንኣብነት ኣብ መንጎ ብሕታዊ ሂወት ንናይ ኣደባባይ ሂወት ዘሎ ተቓርኖ፣ ኣብ መንጎ ስምዒትን ሓሳብን፣ ኣብ መንጎ ሓሳብን ተግባርን፣ ኣብ መንጎ ትካልን ከባቢን ዘለዉ ተቓርኖታት ዝፈትሕ እዩ። ሳልሳይ ፈጠራ ፍልቀታዊ ዓላማ ምስጓም እዩ። ካብ ምትንባይን ምቁፅፃርን ኩነት-ኣእምሮ ብምውፃእ ሓደሽቲ ምዕባለታትን ዓላማታትን ምድማፅ ዘኽእል ዓቕሚ ዝፈጠር እዩ።
ትኹረት/ ንቕሓት ትካላት
እዚ ፅንስ-ሓሳብ እዚ ኩሉ ዓይነት ቅርፂ ትካላዊ መዋቕር ወሲኽካ ናይ ትኹረት ዓይነት ውፅኢት እዩ ኢሉ ይብገሰ። ቅርፂ (መልክዕ) ንቕሓት/ትኹረት ይኽተል። ናይ ትኹረት ዓይነት ናይ ኣእምሮዊ ሞዴል ዝቕረፅ እንትኾን፣ ኣእምሮዊ ሞዴል ክኣ ከይዲ ይቐርፅ፣ ከይዲ መዋቕር ይቐርፅ። ትኹረት ዓይነት መሰረት ዝገበረ ትካላዊ ለውጢ ምምፃእ ይክኣል ዝብል ኣምር እዩ። ናይ ትኹረት ዕብየት ካብ ተለምዶዊ ግብረ-መልሳዊ ትኹረት ናብ ዝልዓለ ናይ ፍልቀታዊ መፃኢ ይዓቢ። ኣርባዕተ ናይ ትኹረት ዓይነታት (ናይ ንቕሓት ብርኪ) ዝፈለየ እንትኾን ንሳቶም ድማ ተለምዶኣዊ፣ ኣነነት ስርዓት፣ ዝምድናዊን (ብዓል-ብርኪ ንቕሓት) ስነ-ከባቢ ስርዓትን (ecosystem) ንቕሓት እዮም።
ተለምዶዊ ንቕሓት ትኹረቱ ኣብ ሕሉፍ ልምዲ (habit) ዝተመስረተ እዩ። ትኹረት ዝረክብ ዓቕሚ ናይ ምትግባር ብልሕነት እዩ። ክፈትሖ ትኹረት ዝህበሉ ብድሆ/ፈተና ምርግጋእ ምፍጣር እዩ። ዝፈጥሮ ትካላዊ ቅርፂ ኣብ ተዋረድ ዝተመስረተ ምእኹል ትካላውነት እዩ። ናይ ሓይሊ ምንጪ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል እዩ። ቀሲባዊ ሓይሊ እውን ይጥቀም። ዓብላላይ ዝተማእኸለ ገዛኢ ሓይሊ ዘለዎ ናይ መንግስቲ ዓይነት ይፈጥር። ኣውራ ፓርቲ / ሓደ ፖርቲ ናይ ዲሞክራሲ ዓይነት ይኽተል። እቲ ገዛኢ ስነ-ሓሳብ መንግስቲ ማእኸል ዝገበረ ኣተሓሳስባ እዩ።
ናይ ኣነነት-ስርዓት ንቕሓት ትኹረቱ ኣብ ደጋዊ ዳታ፣ ኢንፎርሜሽንን ፍልጠትን ዝተመስረተ እዩ። ትኹረት ዝውሃቦ ዓቕሚ ናይ ምሕሳብ ብልሕነት እዩ። ክፈትሖ ትኹረት ዝህበሉ ፈተና ዕብየት ምፍጣር እዩ። ዝፈጥሮ ትካላዊ ቅርፂ ኣብ ዕዳጋን ውድድርን ዝተመስረተ ዝተወሰነ ብርኪ ዘይምእኹልነት ዘለዎ ትካላውነት እዩ። ናይ ሓይሊ ምንጪ ዓውዳዊ ስራሕን ውፅኢትን እዩ። ናይ ምትብባዕ ሓይሊ እዩ ዝጥቀም። ረቂቕ ዝፈላለየ ናይ ማሽን ቢሮክራሲ ዘለዎ መንግስቲ ዓይነት ይፈጥር። ብዝሓ-ፓርቲ ዘይቀጥታዊ ናይ ዲሞክራሲ ዓይነት ይኽተል። እቲ ገዛኢ ስነ-ሓሳብ ዕዳጋ-ማዕኸል ዝገበር ኣተሓሳስባ እዩ።
ዝምድናዊ ንቕሓት ትኹረቱ ኣብ ውሽጣዊ ኩነተ-ኣእምሮን ኣብ ምትእሳሳርን ዝተመስረተ እዩ። ትኹረት ዝውሃቦ ዓቕሚ ናይ ምዝማድ ብልሕነት እዩ። ክፈትሖ ትኹረት ዝህበሉ ፈተና ናይ ኣሳታፋይነት ንደጋዊ ከባብያዊ ኣሉታዊ ሳዕቤን እዩ። ዝፈጥሮ ትካላዊ ቅርፂ ኣብ መስተጋብርን ድርድርን ማእኸል ዝገበር ናይ ምትእስሳር ትካላውነት እዩ። ናይ ሓይሊ ምንጪ ኣብ ምትእስሳር ዝተመስረተ እዩ። ናይ ምልማድ ሓይሊ ይጥቀም። ዝተኣሳሰረ ንዜጋታት ብዙሕ ትኹረት ዝህብ ናይ መንግስቲ ዓይነት ይፈጥር። ኣሳታፊ ዘይቀጥታዊ ናይ ዲሞክራሲ ዓይነት ይኽተል። ገዛኢ ስነ-ሓሳብ ምይይጥ ማእኸል ዝገበረ ገስጋሲ ኣተሓሳስባ እዩ።
ናይ ስነ-ከባቢ ስርዓት ንቕሓት ትኹረቱ ኣብ ዝፈልቕን ዝውለድን ዘሎ ናይ መፃኢ ሃዋህው እዩ። ትኹረቱ ኣብ ህላወ እዩ። ሓድሽ ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ብልሕነት እዩ። ክፈትሖ ትኹረት ዝህበሉ ፈተና ናይ ተዓፃፃፋይነት፣ ተመላስነትን ዓለም-ለኻዊ ደርማሳዊ ኣሉታዊ ሳዕቤን እዩ። ዝፈጥሮ ትካላዊ ቅርፂ ኣብ ሓባራዊ ፈጠራ፣ ንቕሓትን ህላወን ዝተመስረተ ስነ-ከባቢ ስርዓት እዩ እዩ። ናይ ሓይሊ ምንጪ ስነ-ከባቢ ስርዓትን ንቕሓትን እዩ። ናይ ምንቃሕ ሓይሊ ይጥቀም። ናይ ቀጥታ ድያሎጂክ መንግስቲ/ ምስ ዜጋታት ብምትእስሳርን ብምኽኣልን ዝሰርሕ ብሓባርን ሙሉእነትን ንምቕራፅ ዝተዘርግሐ ቀጥታዊ ዲያሎጂክ ናይ መንግስቲ ስርዓት ይፈጥር። ኣሳታፊ ዝኾነ ቀጥታዊ፣ ዝርጉሕ፣ ዲጂታልን ዲያሎጂክ ናይ ዲሞክራሲ ዓይነት ይኽተል። ገዛኢ ስነ-ሓሳብ ኢኮ-ስስተም ማእኸል ዝገበር ኣተሓሳስባ እዩ።
መሪሕነት
ኣብ ዝልዓለ ናይ መሪሕነት ዕብየት ብርኪ ዘለዉ መራሕቲ ዝሓሸ ናይ ስትራተጂካዊ ምሕሳብ፣ ምትእስሳርን ምውህሃድን፣ ጎንፅታት ምእላይ፣ ፀገማት ፈጠራዊ ብዝኾነ መነፅር ምውቓር ዓቕምታት ኣለዎም። ናይ መራሕቲ ዕብየታዊ ብርኪ ኣብ ናይ መራሕቲ ናይ ምልውዋጥ (leadership agility) ዓቕሚ ወሳናይ ግደ ኣለዎ። ናይ መሪሕነት ናይ ውስብስብነት ብርክታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ብርኪ (Level) |
ኣጠማምታ |
እምነት (Core Beliefs) |
ናይ ንቕሓት ብርኪ |
ክኢላ |
ታክቲካል ፀገም ናይ ምፍታሕ ኣጠማምታ |
ናይ መራሕቲ ክብሪ / ሓይሊ ምንጪ ክኢላነትን ስልጣን (position) እዩ ኢሉ ይኣምን፣ ዋና ሕቶ ቁልፊ ፀገማት ምፍታሕ እዩ |
መጠነኛ ናይ ምስትንታን ዓቕሚ፣ ጠንካራ ናይ ፀገም ምፍታሕ ዝንባለ/ምእዘና ፣ ነፃ ዝኾነ ናይ ምስትንታንን ምሕሳብን ዓቕሚ |
ፈፃሚ (Achiever) |
ስትራተጂካዊ ውፅኢት ኣጠማምታ |
ንኻልኦት ንምንቕቓሕ ስራሕ በዳሂን ምስ ዓብይ ዓላማ ምትእሳስር የድሊ ኢሉ ይኣምን፣ ዋና ሕቶ ዘድልዩ ውፅኢታት ምስኻዕ እዩ። |
ዓሚቕ ናይ ምስትንታን ዓቕሚ (deep reflective capacity)፣ ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሕ ረቂቕ ቁም-ነገራትን ርክባትን ምስትውዓል ዘኽእል ዓቕሚ፣ ብዛዕባ ባዕልኻ፣ ሰባት፣ ትካላትን ኢንድስትሪን ናይ ምስትንታን ዓቕሚ ምህናፅ ይሰፍሕ |
ኣቀፃፃሊ / ኣነቃቃሒ |
ራእይተኛ ናይ ምጥጣሕ ኣጠማምታ |
ዋና ስራሕ መራሕቲ ምህዞዊ፣ ኣነቓቓሒ ራዕይ ምውቓርን ነቲ ራዕይ ናብ ሓቅነት (ሂወት) ዝቕይሩ ተደላይቲ ሰባት ምስብሳብ እዩ። መራሕቲ ን ኻልኦት ዕድል ይህቡን ዕብየቶም እውን የሳልጡ፣ ዋና ሕቶ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ምኽታት እዩ። |
ኣብ መንጎ ተሞክሮን ምስትንታን ዘሎ ዝምድና ናይ ምፍላጥ ባህጊ ይዓቢ፣ ንዝተወሰኑ ናይ ተሞክሮ ክፋል ቀጥታዊ እዋናዊ ትኹረት ምሃብ ምኽዓል ዓቕሚ ይዓቢ ፣ ተግባራት ብ ምልከታታት፣ ስምዒታትን ቀዳምነታት ከምዝግዛእ ምርዳእ ዓቕሚ ምዕባይ ይጅምር ( |
ሓባራዊ ፈጣሪ |
ሓባራዊ ባህግን ምትሕብባርን |
መሪሕነት ን ኻልኦት ምግልጋል እዩ። መራሕቲ ምስ ካልኦት መራሕቲ ብምትሕብባር ትርጉም ዝህቦም ራእይ ይወቕሩ። ዋና ሕቶ ናይ ሓባር ረብሓን ባህግን ምስማር (ምግሃድ)እዩ። |
ብውነ ናብ ፃዕሪ-ኣልቦ ትኹረት ዘለዎ ፍሰት ምእታው ዘኽእል ዓቕሚ ; እቲ ፍስት ናይ ምዕዛብን ምስትንታንን ዓቕሚ |
ኣፃማሪ |
ኩለንታዊ |
መሪሕነት ከም ንኻልኦት ዝጠቅምን ንባዕልኻ እውን ናይ ውልቃዊ ስግግር መንገዲ ዝኸውን ንፁር ናይ ሂወት ዓላማ ተሳትፎ ገይርካ ምውሳድ፣ ዋና ሕቶ ትፅቢት ዘይተገበረሉ ተኽእሎታት ምልዕዓል |
ትኩርን ዝተዛነየ ሕጂ-ማእኸል ዝገበረ ንቕሓት ዓቕሚ፣ ሂወት ብሙሉእነት ናይ ምንባር ባህጊ፣ ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ፅቡቕ ፍቓድ |
ኣብ ትካላት መንግስቲ ዘለው ዓለምለኻዊ ምዕባለታት
ዝውለዱ ዘለዉ ዝንባለታት (ምንቅስቓስ ናብ መንግስቲ3.0)
ኣብ1990 መንግስታት ናይ ስራሕ ስሉጥነት ንምምሕያሽ ብዘለዎም ባህሊን ኣተሓሳስባ መሰረት ገይሮም ናይ ኣይሲቲ ምትእትታው ገይሮም (e-government)። ቀፂሎም ኣብ ናይ ለውጢ መንግስትን ቢዝነስ ከይዲ ኢንጂነሪንግ ብምትእትታው ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ስሉጥ፣ ዕዉት፣ ግልፅን ተሓታታይ ንምግባር ክኢሎም። ድሕሪ ናይ 2007-2008 ፋይናንስ ቀውሲ ክኣ መንግስቲ ብዝውሓደ ፃዕሪ ዝበዝሐ ውፅኢት ዘምፅእሉ ን ምህዞ፣ ምኮራን ናይ ተጠቃሚ ድሌት ወሰንቲ ዝኾኑሉ ፕላትፎርም መሰረት ዝገበረ ምሕደራ ምንቅስቓስ ተኻይዱ። ቀፃሊ ጉዕዞ ክፉት ናይ ኢኮ-ሲስተም መንግስቲ ምንቅስቓስ እዩ።
ናይ መንግስቲ አጠማምታ ለውጢ
ህዝብታት ኣብ ኩሉ ናይ ታሪኽ መድረኽ ናይ ሓሳባት መቓን፣ ተምሳሌትን ትረኻታት ዝሓዘ ዝተወሃሃደ ናይ ዛንታ መቓን ይፈጥሩ እዮም። እዚኦም ናይ ዛንታ መቓናት ናይ ወዲ-ሰብ ኣተሓሳስባን ዓለማዊ ምልከታ፣ ዝምድና፣ ተግባር ን ኢኮኖሚ ንጥፈት ዝገርሑ እዮም። እዞም መቓናት እዚኣቶም በብግዚኡ ዝቀያየሩ እዮም።
ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ዓለም ዛንታ መቓን ካብ ናይ ማሽን ዝጥምት ኣእምሮ (machine brain) ናብ ናይ ምኹስኳስ ዝጥምት ኣእምሮ (Garden brain) ይሰጋገር ኣሎ። እዚ ስግግር ብዛዕባ ዓርሰ-ጥቕሚ፣ ናይ ዜግነት ትርጉም፣ ናይ ኢኮኖሚ ተፈጥሮን ናይ መንግስቲ ግደ ዘሎ ኣጠማምታ ዝቕይር እዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ነፂሩ ዘሎ ናይ ዛንታ መቓን ዓለም መስመራዊ ተመዓራራይነት ስርዓት ዘይኮነትስ ውስብስብ ማዕባላይ ስርዓት ምኾና ዘግህድ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዘለዉ ባእታታት ነንባዕሎም ዝተኣሳሰሩ እምበር ዝተበተኑ ከምዘይኮኑ፣ ሰባት ናብ ስሚዒታዊ ሓድሕዳዊ (ልውውጣዊ) ዝፅግኡ እምበር ምኽንያታዊ ዓርሰ-ጠመት ቀመርቲ ከምዘይኮኑ ዘነፀረ እዩ።
ናይ ማሽን ኣእምሮ ዓለምን ዲሞክራስን ከም ናይ ኣሰራርሓታት ውህላል ገይሩ እዩ ዝርኢ። ኢኮኖሚ ፍፁማዊ፣ ስሉጡን ባዕሉ ዝስተኻኸል ገይሩ ይርኢ። ናይ ማሽን ኣእምሮ ምርግጋእን ተነባይነት ትሓሳቢ ዝገብር እዩ።
ናይ ምኹስኳስ ኣእምሮ ግን ዓለምን ዲሞክራስን ከም ናይ ዝተፈላለዩ ምትእስሳራት ዝተጠናነገ ስብስብ ገይሩ ይወስድ። ከም ናይ ምትእምማን፣ ማሕበርሰባዊ ሃፍቲ መጥሓልን ምንጪን ፣ ከም ናይ ኢኮኖሚ ልምዓት ሳሬት፣ ናይ ባህሪ ልሕመት ኔትዎርክ ገይሩ ይወስድ።
ናይ ምኹስኳስ ኣእምሮ ኢኮኖሚ ናይ ሰብ ስርሒት ምኾኑ ብምስትብሃል ብ ፅቡቕ መንገዲ እንተተሃኒፁን እንተተኾስኩሱን ኣድማዒ ከምዝኸውን የቐምጥ። ዓለም ርጉእነት ዘይብላ፣ ምትንባይ ተፀገምን ኢሉ ብምውሳድ ብ ቀፃልነት ናይ ምዝራእ፣ ምምጋብን ምፅህያይን ተግባራት ዘለዎ ዝምዕብል ስርዓት ከምዘድሊ የቐምጥ።
ናይ ማሽን ኣእምሮ ናይ ቁፅፅርን ቀዋምነትን ኣእምሮዊ ኩነት እዩ። ኮስኳሲ ኣእምሮ ሰባት ከም ነንባዕሎም ዝፀላለዉ ናይ ማዕባላይ ዓለም ፈጠርቲ ገይሩ ይወስዶም፣ ስምዒታት ነንባዕሎም ይፀላለዉ፣ ናይ ሰባት ግለ-ሰባዊ ምርጫታት ናብ ማሕበርሰባዊ ቅርፅታት (patterns) ይቕየሩ ኢሉ የቐምጥ። ዓለም ከም ማዕባላይ ናይ ተፅዕኖ ምፍጣርን ምፍላቕን ኩነተ-ኣእምሮ ገይሩ ይወስድ።
ዓለም ሕጂ ዘላትሉ ካልኣይ ናይ ኣብርሆት ከይዲ ካብ ዝተበታተነ ኣነነት ናብ ናይ ምትእስሳር ምፅልላው ዘስግር እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓስረተ ዓመታት ኣብ ናይ ወዲ-ሰብ ናይ ዓለም ተፈጥሮ ሳይንሳዊን ሒሳባዊ ርድኢት ወያነ ኣሎ። ዓለም ካብ ዝተረጋግአትን ምትንባይ ትካዓል እያ ዝብል ርድኢት ተሰጊሩ ዓለም ከም ዘይርጉኡነት ዘለዋን ምትንባይ ተፀግም እያ ዝብል ርድኢት ተፈጢሩ ኣሎ። ነገራት ዝተበታተኑ ተገይሮም ዝረአዩ ዝነበሩ ሕጂ ነገራት ነኒባዕሎም ዝተኣሳሰሩን ዝፀላለዉ ምኾኖም ርድኢት ተበፂሑ ኣሎ። ቀደም ደቂ-ሰባት ብወሳንነቱ ምኽንያታውያን ተገዮሮም ዝውሰዱ ዝነበሩ ኣብዚ ዘበን እዚ ኽኣ ሰባት ብ ወሳንነቱ ስምዒታውያን ምኾኖም ርድኢት ተበፂሑ ኣሎ።
ኣብ መብዛሕትኦም ዓውደ-ፍልጠታት ሓሳባዊ ዝላታት የጋጥሙ ኣለዉ።
- ካብ ቀሊልነት ናብ ውስብስብነት (simple to complex)፣ ካብ ዝተበታተነ ናብ ዝተኣሳሰረ፣ ካብ ተማዓራራይነት ናብ ዘይተማዓራራይነት፣ ካብ መስመራዊ ናብ ዘይመስምራዊ፣ ካብ ሜካኒካዊ ናብ ባህርያዊ፣ ካብ ስሉጥነት ናብ ኣድማኢነት፣ ካብ ተገማታይነት ናብ ማዕባላይነት፣ ካብ ነፃነት ናብ ምፅልላው፣ ካብ ግለሰባዊ ዓቕሚ ናብ ናይ ጉጅለ ብዝሀነት፣ ካብ ምኽንያታዊ ቀማሪ ናብ ዘይምኽንያታዊ ገማቲ፣ ካብ ዓርሰ-ተኮርነት ናብ ብሓያል ሓድሕዳዊ፣ ካብ ሓደ ይዕወት ሓደ ይስዓር ናብ ኩሉ ይዕወት ወይ ኩሉ ይስዓር፣ ካብ ውድድር ናብ ምትሕብባር
ናይ ማሽን ኣእምሮ ብዛዕባ ዜግነታዊነት ክሓስብ ከሎ ሰባት ብ መፈጠሮም ግላውያን ምኾኖም የቐምጥ። ናይ ምኹስኳስ ኣእምሮ ግን ሰባት ብ መፈጠሮም ማሕበረሰባውያን እዮም ኢሉ የቐምጥ።
ዕዳጋ ብዝምልከት ናይ ማሽን ኣእምሮ ዕዳጋ ስሉጥ ምኾኑ፣ ቀፅፅር ዕዳጋ ከምዘዕንው፣ ናይ ኣታዊ ዘይምዓረነት ናይ ፃዕርን ዓቕምን ዘይምምዕርራይ ውፅኢት ምኾኑ፣ ሃፍቲ ብ ውድድርን ፀቢብ ግለሰባዊ ዓርሰ-ድሌት ከምዝመፅእ፣ ሃፍቲ ናይ ግለሰባት ገንዝብ ምኾኑ ዘቐምጥ እንትኾን ናይ ምኹስኳስ ኣእምሮ ግን ዕዳጋ ናይ ሰባት ስርሒት ምኾኑ፣ ብ ውነ እንተተማዕዚኑ ኣድማኢ ከምዝኾን፣ ዕዳጋ መዳበርያን ምፅህያይን ከምዝጠልብ፣ መዳበርያን ምፅህያይን እንተዘይረኺቡ ከምዝዓኑ፣ ዕዳጋ ዘይምዓርነት ክፈጥር ስለዝኽእል ምስትኽኻል ከምዘድልዮ፣ ሃፍቲ ብ ምትእምማንን ብ ምትሕብባርን ከምዝመፅእ፣ ሃፍቲ ናይ ማሕበረሰብ መፈትሒ ናይ ምምፃእ ዓቕሚ ውፅኢት ምኾኑ የቐምጥ።
ካብ ናይ ምኹስኳስ ኣእምሮ መነፅር ኣንፃር መንግስቲ ዓርሱ ዝገዝእ (self-government) ክኾኑ ከምዘለዎ፣ ኣብ እንታይ ዓቢ ግደ (big what) ክፃወት ከምዘለዎ፣ ኣብ ከመይ ግን ከባቢ ናይ ምፍጣር ግደ (small how) ክፃወት ከምዘለዎ ይግለፅ። መንግስቲ ሃገራዊ ባህግታት፣ ዓላማታትን ስትራተጂካዊ ትኹረታት ኣብ ምንፃር ዝልዓለ ግደ ክፃወት ይግባእ ይብል። እቶም ስትራተጂካዊ ትኹረታት ከመይ ይፍፀሙ ኣብ ዝብል ግን መንግስቲ ናይ ከባቢ ምፍጣርን፣ኣኽኣልነትን ምስላጥን ግደ ክፃወት ይግባእ ኢሉ የቐመጥ። እዚ ብምግባር መንግስቲ ስትራተጂካዊ ኣንፈትን ተዓፃፃፋይነት ኣወሃሂዱ ክኽይድ ይገብሮ። መንግስቲ ኣብ እንታይ ዓቢ ግደ ካብ ምፅዋት ኣንፃር እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ከተግብር ኣለዎ ኢሉ ኣንፂሩ የቐምጥ። (The Gardens of democracy, Eric Liu and Nick Hanauer, 2011)
- ስትራተጂካዊ ሽቶታት ምንፃር
- ናይ ዜጋታት ዓቕሚ ምፍጣር
- ምትእምማን ምፍጣር
- ትኽክለኛ ውድድር ምዝላቕ
መንግስቲ ኣብ ከመይ ናይ ምስላጥ ግደ ካብ ምፅዋት ኣንፃር እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ከተግብር ኣለዎ ኢሉ ይቐምጥ።
- ናይ ከመይ መሳርሕታት ኣብ ተደላዩ ሕቶታት ምውዓል፣ ናይ ዜጋታት ናይ ሃርድዌር መኽዘን ኮይንካ ምግልጋል፣ ዜጋታት ዝሳተፍሉ ፕላትፎርም መንግስቲ ምዝርጋሕ፣ በሊሕ ናይ መጀመርያ ኮንትራክተር ምኾን፣ እውታዊ ናይ ግብኣት ዑደታት ምፍጣርን ምብዛሕን፣ ምክልኻል፣ ለውጢ ምቅፅፃል፣ ልዕለ-ኣፈፃፅማ ናይ ምትብባዕን ምሽላምን ኩነት ምፍጣር፣ ምፅህያይ
ጉዕዞ ናብ ራብዓይ ናይ መንግስቲ ወያነ/ Fourth Revolution
ኣብ ናይ መንግስቲ ፍልስፍናዊ ሰረት ቀዲሞም ሰለስተ ወያነታት ዝተኻየዱ እንትኾኑ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ራብዓይ ናይ መንግስቲ ወያነ ይትግበር ኣሎ።
እቲ ናይ መጀመሪያ ወያነ ኣብ 17 ክፍለ-ዘበን ከባቢ ዝተኻየደ እንትኾን ልዑላውነት ዘለዎ ዝተማእኸለ መንግስቲ (sovereign centralized state- Thomas Hobbes) ፈጢሩ። እዚ ወያነ እዚ መበጊሲኡ ኣብቲ እዋን ዝነበር ፍርሒ ዝዓብሎሎ ሃዋህው እዩ። ደቂ-ሰባት ከይፈርሑ ዝነብርሉ ኩነታት ምፍጣር እቲ ወሳናይ ሕቶ ነይሩ። ብሂወት ናይ ምንባር መሰል ወሳናይ ሕቶ ነይሩ። ናይ ድሕንነት ስግኣትን ድሌትን ዝገርሖ ናይ መንግስቲ ዓለማዊ ምልከታ እዩ። ሰባት ቁሳዊ ድሌት ኣለዎም ኢሉ ይብገስ። ቁሳዊነት ጥራሕ እዩ ሓቂ ኢሉ ይብገስ። ሳይንሳዊ ኣመኽንዮ መሰረት ይገብር። ዋና ናይ መንግስቲ ስራሕ ሕግን ስርዓትን ምፍጣር እዩ ነይሩ። ናይ መንግስቲ ግደ ናይ ሰባት ስሰዐን ፍርሕን ብምግራሕ ናይ ሃገር ሕግን ስርዓት ምፍጣር እዩ። ኣብ መንጎ መንግስቲን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ብ ማሕበረሰባዊ ኮንትራት ይቕየድ ይብል። መንግስቲ ናይ ግለሰባት ናይ ነፃነት ድሌት ከይምንዝዕ ማሕበረሰባዊ ኮንትራት የድሊ ይብል። ሃይማኖት ካብ መንግስቲ ምፍላይ ዘኽኣለ ወያነ እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ሓያል ጎንፃዊ ውድድር ስለዝነበረ ሃገራት ናይ ወታደራዊን ዲፕሎማስያዊ ማሽን ዝሃነፃሉ ኩነት እዩ ነይሩ።
እቲ ኻልዓይ ወያነ ኣብ ከባቢ 18ን 19 ክፍለ ዘበን ዝተኻየደ እንትኾን ናይ ብቕዓትን ታሓታታይነት መንግስቲ (meritocracy accountable state, night watchman state – John Stuart Mill) ፈጢሩ። ኣብዚ እዋን ዝነበረት እንግሊዝ ናይ ምምሕያሽ፣ ለውጥን ትስፉውነትን ሃዋህው ዝነበራ እያ። ፍርሒ ዝነገሳ ኣይነበረትን። ናይ ሚል ዋና ሕቶ ከመይ ገይርካ ምርግጋእ ይፍጠር ዘይኮነስ እቲ ዝተፈጠረ ምርግጋእ ከመይ ገይሩ ናይ ተጠቀምቱ ዓቕምን ሃሴትን ይዕቢ ዝብል እዩ ነይሩ። ናይ ሚል ዋና ትኹረቱ ን ዓርሰ-ምልዓት፣ ን ዓርሰ-ርውየት (self-fulfillment) ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ማሕለኻታት ምእላይ እዩ ነይሩ። ነዚ ባህጊ እዚ ዝሰማማእ ንዑስ ዝኾነ ጣልቃ ዘይኣቱ መንግስቲ (minimal, non-interfering night watch state) ምምስራት ኮይኑ ናይቲ ወያነ ቀንዲ ትኹረት። መንግስቲ ንዑስ ኮይኑ ስርሑ ንኽሰረሕ ናይ ብቕዓት መንግስቲ ምፍጣር ኣድላዩ ኮይኑ። ናይ ብቕዓት መንግስቲ ንምፍጣር ክኣ ትምህርትን መመዘንታት ወሰንቲ ኮይኖም ተረኺቦም። መንግስቲ ቀስ ኢሉ ኣብ ትምህርቱ ንጡፍ ግደ ምፅዋት ጀሚሩ። ናይ መንግስቲ ግዝፈት እውን እንዳወሰኸ ከይዱ። ናይ መንግስቲ ልዑምነት ከም ማሕበረሰብ ይቐትለና ኣሎ ዝብል ተቓውሞ ተጀሚሩ።
እቲ ሳልሳይ ወያነ ኣብ ማዕኸላይ 19 ክፍለ-ዘበን ዝተኻየደ ወያነ እንትኾን ክንክናዊ መንግስቲ (welfare state, Beatrice Webb) ፈጢሩ። መንግስቲ ሰባት ዝሰልጠነ ሂወት ንኽነብሩ ዘኽእሎም ዝወሓደ ኣቕርቦት ከቕርበሎም ኣለዎ ዝብል ኣጠማምታ ዝገርሖ ወያነ እዩ (enforced minimum for a civilized state)። መንግስቲ ን ዜጋታቱ ውሑድ ኣቕርቦትን ትምህርትን ክህብ ኣለዎ ናብ ዝብል ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተቐይሩ። ነፃነት ነፃነት ካብ ድሌት፣ ማዕርነት ናይ ዕድል ማዕርነት ናብ ዝብል ተቐይሩ፣ መንግስቲ እውን ዋና ስርሑ እዚ ገይሩ። ናይ ንጡፍ መንግስቲ ኣተሓሳስባ ገዛኢ ሓሳብ ኮይኑ። ካብ ድሌት ነፃነት ማለት ማሕበረሰባዊ ግልጋሎት፣ ናይ ዕድል ማዕርነት ማለት ትምህርቲ ማለት ኮይኑ። ብሄራዊ ምትላምን ናይ መንግስቲ ንጡፍ ተሳትፎ (national planning and state intervention) ከም ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ተወሲዶም። ህቡዕ ናይ ዕዳጋ ሓይሊ ርኡይ ናይ መንግስቲ ምትእትታው የድልዮ እዩ ተባሂሉ። መንግስቲ ን ካፒታሊስት ኣንበሳ ዝገርሕ ገራሒ ኣንበሳ ክኽውን ኣለዎ ተባሂሉ ብዝሓት ተቖፃፀርቲ ናይ መንግስቲ ትካላት ተጣይሾም። ሞኖፖሊዝም ንምግራሕ ተሞኪሩ። ናይ ዕዳጋ ክፍተት ንምምላእ ተባሂሉ ናይ መንግስቲ ኩባንያታት ምጥያሽ እውን ተኻይዱ። ናይ ሕውነት ሓሳብ ዓብዮ፣ ተቐባልነት እውን ረኺቡ። ዓለምለኻዊ ትካላት እውን ቦቒለን። መንግስቲ ኩልንትናዊ ኣቕራቢ (universal provider) ኮይኑ። ቀስ ኢሉ ማዕርነት ካብ ዕድል ናብ ውፅኢት ተሸጋጊሩ፣ ሰብ ፍሉይ እዩ ዝብል ኣጠማምታ እንዳሓየለ ከይዱ። መንግስቲ ባዕሉ ካብ መጠን ን ላዕሊ ኣግዚፉ። ተኸናኻናይ መንግስቲ ምውዳቕ ጀሚሩ። ናይ ውፅኢት ማዕርነት ንምምፃእ ዝተገበረ ምትእትታው ዘይተደለየ ውፅኢት ኣምፂኡ። ብዙሕ ዝዓበይ መንግስቲ ማለት ማሕበረሰባዊ ምዝባዕ ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ተቐባልነቱ ወሲኹ። መንግስቲ ንዑስ ንምግባር ተፈቲኑ።
እቲ ራብዓይ ወያነ ናይ መንግስቲ ውድቀት፣ ዓለምለካዊ ናይ ሃገራት ውድድርን ናይ ተክኖሎጂን ትካላዊ ምህዞታት ዕድላት ዝደፈኦ እዩ። መንግስቲ በብግዚኡ እንዳገዘፈ ይኸይድ ኣሎ። ናይ ኣሜሪካ መንግስቲ ወፃኢ ኣብ 1913 ናይ ጅዲፒ 7.5% ዝነበረ እንትኾን ኣብ 2011 ናይ ጅዲፒ 41% በፂሑ። ናይ ሀገረ እንግሊዝ መንግስቲ ወፃኢ ካብ ኣብ 1913 ዝነበረ ናይ ጂዲፒ 13% ኣብ 2011 ናብ 48% በፂሑ። ብ ጠቕላላ ናይ ዝማዕብሉ 13 ሃገራት ናይ መንግስቲ ወፃኢ ኣብ 1913 ካብ ዝነበሮ ማዕኸላይ ካብ ጂዲፒ 10% ኣብ 2011 ናብ ማዕኸላይ 47% በፂሑ ኣሎ። ዜጋታት ብዙሕ ብዝሓተቱ ቁፅሪ መንግስቲ ባህጎም ንምምላእ እንዳዓበየ ከይዱ (paradox of democracy)። ናይ መንግስቲ ግዝፈት ንምቕናስ ዝተገብሩ ፃዕርታት ንባዕሎም ነቲ ግዝፈት ወሲኾምሉ። ኩሎም ተበግሶታት ሓድሽ ፖሊሲ፣ ህግን መዋቕርን እንዳፈጠሩ ናይ መንግስቲ ግዝፈት ወሲኾሞ። ናይ መንግስቲ ምሓውር ንፈጠራዊ ድርምስና (creative destruction) ዝቃወም እዩ። ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ካብ 1999 ክሳብ 2013 ናይ ግሊ-ዘርፊ ኣፍራይነት ብ 14% ዝዓበየ እንትኾን ናይ መንግስቲ ዘርፍ ኣፍራይነት ግን ብ 1 % ወሪዱ። ናይ መንግስቲ ግዝፈት ካብ ዝውስኹ ረቑሒታት ሓደ መንግስቲ ጉልበት ፃዕቒ ዘለዎም ስራሕቲ ዝነጥፍ ምኾኑ እዩ ነይሩ። ኣድላይነት ናይ መንግስቲ ባህሪ ለውጢ ዓለምለኻዊ ክስተት እዩ። ናይ መንግስቲ ተዋረዳዊ ውህደት ከይዲ ኣብ ናይ ውድቀት ጫፍ በፂሑ ኣሎ። ናይ ሃፍቲ ውሑድ ምኾን እውን ናይ መንግስቲ ለውጢ ይደፍእ ኣሎ። ናይ ተክኖሎጂን ትካላዊ ምህዞታት ኩባንያታት ካብ ናይ ስዓብነት፣ ተዋረዳዊ ትካላዊ ልቦናዊ መዋቕር ናብ ዓርሰ-ምሕደራዊ፣ ዓርሰ-ውዳባዊን ተዓፃፃፋይ ትካላውነት ዓለማዊ ምልከታ የሰጋገርን ኣሎ። ን ናይ መንግስቲ ዓለማዊ ምልከታ እውን ይፀልዉ ኣሎ። መንግስታት ነዞም ደፋእቲ ረቖሒታት ተኸቲሎም ብ ቑልጡፍ ናብ ለውጢ ከይሰጋገሩ ዝገብሩ ኣጠማምታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ። (The Fourth Revolution, The Global Race to Reinvent the State, John Micklethwait & Adrian Wooldridge, 2014)
- ትካላት ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጠን ክሰርሓ ኣለወን ዝብል ኣጠማምታ
- ውሳነ ኣወሃህባ ምእኹል ክኽውን ኣለዎ ዝብል ኣጠማምታ
- ኩሎም ናይ መንግስቲ ትካላት ተመሳሰልቲ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ኣጠማምታ
- ለውጢ ዝኽፈአ እዩ (change is always the worst) ዝብለ ኣጠማምታ
ናይ መንግስቲ ሓደሽቲ ናይ ሓይሊ መሳርሕታት
ኣብዚ እዋን እዚ ብ ሰንኪ ዘሎ ፈጣን ማዕባላይ ተዓፃፃፋይ ስርዓትን ምህዞን ኣብ መንጎ ነፃነታውያን ናይ ንዕሽተይ መንግስቲ ጠለብቲን (liberalists) ናይ መንግስቲ ደገፍቲ (statists) ዘሎ ተቓርኖ ክፈትሕ ዝኽእል፣ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕዳጋን ዘሎ ጋግን ተቓርኖ ንምፍታሕ ዘኽእል ን ክሳብ ሕጂ ዘይተፈትሐ ናይ መንግስቲ ብ ቀፃሊ ምግዛፍ ፈተና ከስግር ዝኽእል መፍትሒ ሒዙ ይመፅእ ኣሎ። ናይ ተክኖሎጂ ለውጥታትን ሓደሽቲ ናይ ኣወዳድባ መዋቕር ምህዞታት ናይ መንግስቲ መሰረታዊ ፍልስፍናዊ ሰረት ይቐርፁ ከምዘለዉ ምርዳእ ይካኣል። ናይ መንግስቲ ተግባራትን ባህሪ ዝቕይር ወያነ ይካየድ ከምዘሎ ምርዳእ ይክኣል። እቲ ዘሎ ለውጢ ዘመናዊ መንግስቲ ክላባሶም ኣለዎ ኢሎም ዝፈለዮም ባህርያት ከምዚ ዝስዕብ ተቐሚጦም ኣለዉ።
- ቅርጡውን ስሉጥ መንግስቲ (Lean leviathan state): ፍሉይ መንነትን (unique ID) ኢንፎርሜሽን ተክኖሎጂ ብምጥቃም ኣድማኢን ስሉጥን መንግስቲ ምምስራት ዘተኮረ እዩ። ን ኣብነት ናይ ህንዲ ፍሉይ መንነትን (Unique ID) ናይ ቻይና ማሕበረሰባዊ ክረዲት ስርዓት (Social Credit System) ምውሳድ ይካእል።
- መላሲ መንግስቲ (Responsive state): ናይ ዜጋታት ባህጊ መሰረት ዝገበረ እዋናዊ ናይ ተክኖሎጂ ምዕባለታት ዝጥቀም መላሲ መንግስቲ ምፍጣር ዘተኮረ እዩ። እዚ ለውጢ ንምምፃእ እንቅፋት ዝኾኑ ማሕበርሰባዊን ትካላውን እንቅፋታት እዮም። እምነት (trust) ወሳናይ ግደ ይፃወት።
- ኣሳታፋይ መንግስቲ : ኩሎም ህዝብታትን ግለሰባት ዘሳትፍ መንግስቲ እዩ። ኩሎም ሓሳባት ዘዳምፅ፣ ተቓርኖታት ዝፈትሕ፣ ብዝሃነት ከም ዕድል ዝጥቀም) መንግስቲ እዩ።
- ፈተናዊ/ሙከራዊ መንግስቲ፡ እዚ መንግስቲ ዓለም ብ ባህርያዊ መንፀር ዝርኢ (Behavioral)፣ ናይ ሰባት ዘይምኽንያታዊ ባህሪ (unconscious/irrational behavior) ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ናይ ባህርያዊ ኣስተብህሎ (behavioral insights) ን ውሳነ ኣወሃህባ ዝጥቀም መንግስቲ እዩ። ብዝሓት ሃገራት እዚ ዓቕሚ ንምህናፅ ናይ ባህርያዊ ኣስተብህሎ ማዕኸላት (Behavioral Insights Team/Nudge unit) ኣቛቒመን ኣለዋ። ባህርያዊ ኣስተብህሎን መረዳእታ(evidence) መሰረት ዝገበር ፖሊሲታት እውን ይቀርፃ ኣለዋ።
- Entrepreneurial state (ዋኒንተኛ): መንግስቲ ተዓዛቢ ከይኮነስ ንጡፍን ዋኒንተኛ ኣእምሮ ዘለዎ ኮይኑ ናይ ልምዓት ዓላማ ዝቕርፅን ዘፈፅምን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ። ልምዓት ዋና ዓላምኡ ዝገበረ መንግስቲ ኢኮኖሚን ናይ ምኹስኳስን ናይ ምግራሕን ግደ ክፃወት ይኽእል እዩ።
- ምሃዛይ መንግስቲ፡ ኣብዚ ማዕባላይ፣ ውስብስብ፣ ዝተኣሳሰረ፣ ተለዋዋጣይ ዓለም ምስ ለውጢ ዝኸይድን ማሃዛይነት ምፍጣር ዝኽእልን መንግስቲ የድሊ። እዚ ንምግባር መንግስቲ ናይ ምህዞ ሞተር (innovation engine) ዝፈጥረሉ ናይ ምህዞ ሰብኣዊ ዓቕሚ፣ መሰረተ-ልምዓት፣ መስተጋብር ክህልዎ ይግባእ። መንግስቲ ዳህሳስ፣ ፈተነን ግምገማን ዝሓዘ ናይ ምህዞ ከይዲ ምዝርጋሕ እውን የድልዮ።
ናይ መንግስቲ ትዓፃፃፋይነት ( Government Agility)
ስሉሕ መንግስቲ ን ምፍጣር መራሕቲ ዝተፈላለዩ ናይ ለውጢ መሳርሕታት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ስሉሕ መዋቕር፣ ኣብ ታሕቲ ውሳነ ክውሰን ምግባር፣ ፍልጠት ምክፍላን ሙክራ ምግባርን፣ ቀዋምነት ዘለዎምን ተዓፃፃፋይነት ዝህቡ ናይ ስራሕ ከይዲ ምፅማር፣ ዝተረጋግኡ ግደታትን ተዓፃፃፍቲ ግደታት ኣወሃሂድካ ምጥቃም፣ ስነ-ልቦናዊ ድሕንነት ዝፈጥር መሪሕነት ስሉሕ መንግስቲን ምፍጣር ወሳናይ ግደ ይፃወቱ።
ዓለምለኻዊ ተሞክሮ
10.1. ኢስቶንያ
ኢስቶንያ ካብ 2 ሚልዮን ዝውሕድ ሕዝቢ ዘለዋ እንትትኸውን ፍሉይ እወታዊ ተሞክሮኣ ኢንፎርሜሽን ተክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ዳታ ዝተመስረተ መንግስቲ ምፍጣር ክኢላ እያ።
10.2. ደቡብ ኮርያ
ደቡብ ኮርያ ኣብ ውሽጢ ዓስርተ ዓመታት መስተንክራዊ ልምዓት ምምፃእ ዝኽኣለት ሃገር እያ። ካብ ትካላውነት ደቡብ ኮርያ ዝውሰድ ተሞክሮ ከምዚ ዝስዕብ ተፈልዩ ኣሎ።
- ደቡብ ኮርያውያን ዝሰረፆም ናይ ኮንፊሽየስ ፍልስፍና መሰረት ዝገበር መንግስታዊ ትካል ምፍጣር ክኢሎም እዮም።
- ኣብ 1950ታት ናይ ደቡብ ኮርያ መንግስቲ ናይ ደቡብ ኮርያውያን ተዓፊኑ ዝነበረ ባህጊ፣ ኤነርጂን ፈጠራ ናብ ነገራዊ ዓቕሚ ዝቐይር ኩነታት ምፍጣር ክኢሉ።
- ደቡብ ኮርያውያን ናይ ባዕሎም ክብርታት ማለትውን ስርዕታውነት፣ ህድኣት፣ ብሄራዊ ሓርበኝነት፣ ሓቦነት ዝምዝምዝ ማሕበርሰባዊ ትካላት ምፍጣር ክኢሎም እዩም። ናይ ደቡብ ኮርያ ኩባንያታት ዝሰረሓሉ መንገዲ ናይ ደቡብ ኮርያ ተለምዶዊ ባህልን ናይ ምዕራብውያን ኣካይዳ ዘፃመረ እዩ። ካብ ትርፊ ምርካብ ተልእኾ ብተወሳኺ ናይ ኩባንያታት ቀንዲ ተልእኾ ብሄርን ሃገር ህንፀት ገይሮም እዮም ቀሪፆሞ።
- ናይ ደቡብ ኮርያ ልምዓታዊ መንግስቲ ሞዴል ናይ ኮንፊሽየስ ተዋረዳዊ ባህልን ብሄራዊ ሓርበኝነት ዘገርሖ መዋቕርን ውፅኢት ተኮርነትን ዘወሃሃደ እዩ። ናይ ውታደራዊ ስነ-ምግባርን ናይ ዕዳጋ ውድድር ባህርያት ዘፃመረ መንገዲ ዝፈጠረ እዩ።
- ፀገማት ክጋጥሙ ከለዉ ደቡብ ኮርያውያን ቃንዛ ብ ሓባር ብምክፋል ብ ሓድነት ናይ ምስጋር ባህሊ ኣብ መንግስትን ኩባንያታት ምፍጣር ክኢሎም እዮም።
- ናይ ደቡብ ኮርያ መንግስታዊ ትካል ቅርፀ-መቓን ብ ጣዕሚ ዝተማእኸለ እዩ።
10.3. እስራኤል
እስራኤል ሓያል ናይ ፀጥታ ስግኣት ዘለዋ፣ ልዑል-ኪን መሰረተ ዝገበረ ኢኮኖሚ ምህናፅ ዝኽኣለት፣ ናይ ሰብ-ሓይሊ ዓቕምታታ ፀንቒቓ ትጥቀም ሃገር እያ። ካብ ናይ እስራኤል ትካላውነት እዞም ዝስዕቡ ትምህርትታት ምውሳድ ይካኣል።
- ኣብ መንጎ ወታደራውን ሲቪል ትካላት ብሄራዊ ኣገልግሎት ብምጥቃም ስሙር ምትእስሳር ምፍጣር ተኻኢሉ። ናይ እስራኤል ወታደራዊ ተክኖሎጂታት ን ኢኮኖሚ ዕብየት ዓብዩ ኣበርክቶ እዮም ዝገብሩ።
- እስራኤል ዘለዋ ሰብ-ሓይሊ ብ ዝልዓለ ብርኪ ንምጥቃም ካብ ህፃናት ዝጅምር ሰባት ዘለዎም ዕቑር ዓቕሚ ንምልላይ ዘኽእል ሳይኮሜትሪክስ መሰረት ዝገበረ ታለንት ማናጅመንት ስርዓት ኣለዋ።
- ናይ እስራኤል ትካላት ብፍላይ ናይ ወታደራውን ፀጥታን ትካላት መሰተንክራዊ ዓወት ምምፃእ ዝኽእሉ ናይ ብሉፅነት ትካላት እዮም።
- ናይ እስራኤል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰባት ናይ ስራሕ ባህልን ዓቕምን ክጥርዮ ብዘኽእል መንገዲ ዝተቐረፀ ብምኾኑ ኣብ ሃገር ህንፀት ዓብዮ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።
- ኣብ መንጎ ናይ ግሊ-ትካላትን መንግስትን ኣብ ምጭጫሕ ፕሮግራም ዘሎ ኣጋርነት ኣድማዒ ውፅኢት ዘምፀአ እዩ።
- ን ትምህርቲ ትህቦ ትኹረት ዝልዓለ እዩ።
- ኣብ እስራኤል ን ልዕል ኪን (hi-tech) ኢኮኖሚ ትኹረት ሂቦም ዝሰርሑ ትካላት ናይ ሳይንስን ተክኖሎጂ ሚኒስተር፣ ሚነስተር ሃገር ምክልኻል፣ ሚኒስተር ሕርሻን ገጠር ልምዓትን፣ ናይ ምህዞ ብዓል-መዚ፣ ናይ ምርምርን ልምዓት ቤት-ምኽሪ፣ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ቤት-ምኽሪ፣ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታት ዘለዉ ዋና ሳይንቲስታት፣ ናይ ዋና ሳይንቲስታት መድረኽ እዮም።
- ናይ ግሊ-ኩባንያታት መራሕቲ ኣብ መንግስቲ ተቛፂሮም ናይ ምስራሕ ባህሊ እውን ኣሎ።
10.4. ኣየርላንድ
ኣየርላንድ ኣብ ናይ 2030 ስትራተጂኣ ምሃዚ፣ ተዓፃፃፋይን ሞያተኛ መንግስቲ ናይ ምፍጣር ራእይ ኣቐሚጣ ኣላ። ነዚ ራእይ ንምስኻዕ መረዳእታ መሰረት ዝገበር ፖሊሲ ቀረፃ፣ ዲጂታላይዘሽን ምህዞ ን ሰብ-ሓይሊ ህንፀት ከም ስትራተጂካዊ ቀዳምነት ሰሪኣቶ ኣላ።