ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (ዶር.)
ኣብዚ ፅሑፍ፣ ኣልዒለዮ ኣብ ዘለኹ ዛዕባ፣“ተጋሩ” ዝብል ቃል ብኽልተ መዳዩ ኣብ ረብሓ ውዒሉ ኣሎ። ተጋሩ፥ ብገፊሑ ኣብ ዘበነ መንግስቲ ኣክሱምን ቅድሚኡን ኣብ ዝነበረ ምዕባለን ስልጣነን ጥቕሉልን ውህሉልን ኣበርክቶ ንዝነበሮም ህዝብታት (ትግርኛን ካብኡ ወፃኢ ካልኦት ቋንቋታት ዝዛረቡን ህዝብታት) ዝውክል እንትኸውን፤ ብፀቢቡ ከዓ ድሕሪ 1983 ዓ.ም. ኢህወደግ መንበረ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ፅ’ባሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ኣካል ፌደረሽን ኣብ ዝተሓንፀፀት ክልል ዝነብሩ ህዝቢ እዮም።
ማሕበራዊ ክብርታት (social values)፥ ሕብረተሰብ ንሓባራዊ ኣገዳሺ ሸቶ ዘቐምጦም ኣተሓሳስባታት እዮም። ማሕበራዊ ክብርታት፥ ኣባላት ሕብረተሰብ ፅቡቕ ወይ ሕማቕ፣ ቅዱስ ወይ ሰይጣናዊ፣ ምልኩዕን መልክዕ ኣልቦ፣ ጠቓሚ ወይ ጐዳኢ [ብምባል] ተነፂሮም ዝቕመጡ መስፈርታት (መለክዕታት) እንትዀኑ ብማሕበረሰብ ተቐባልነት ዘለዎም እዮም። ክብርታት፥ ኣብ ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ቅቡልነት ዘለዎም ይዅንታታት እዮም። ክብርታት፥ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ዘይንዋታዊ ባህልን ኣብ ጠባይ ኣባላት ማሕበረሰብ እወንታዊ ፅልዋ ከሕድሩ ብምኽኣሎም ጠቐምትን እዮም።
ክብርታት፥ ኣብ ውልቀ ሰባት፣ ጕጅለታት ኰነ ኣብ ማሕበረሰብ ዝንፀባረቑ ተርእዮታት እዮም። ንጊዜኡ ኣብ ማሕበራዊ ክብርታት ክነተኵር። ማሕበራዊ ክብርታት፥ ብጥቕልሉ ጕጅለ ሰባት ወይ ማሕበረሰብ ኣካይዳኦምን ምሕደራኦምን ኣንፈት ንምትሓዝ ክብሉ ዘርዕሙዎም ወይ ዝተኽሉዎም መትከላት ህይወት እዮም። ማሕበራዊ ክብርታት፥ ብሓባራዊ ስምምዕ ሕገ-መንግስቲ፣ ሕግታት፣ ፖሊሲታትን ባህልን ኣንፈት የትሕዙ። ከምቲ ዝፍለጥ፣ መትከል (principle) ኣብ ዕዮ፣ ዕማም ወይ ትግባረ ሓደ ነገር ፅልዋ ዝፈጥር ወይ ክህልዎ ትፅቢት ዝግበር መሰረታዊ እምነት፣ ኣተሓሳስባ፣ ክልስ ሓሳብ፣ ሕጊ ወይ መስርሕ እዩ። ነገራት ብመንፅር ሞራል ቅኑዕን ግጉይን እንብለሉ ወይ እውን ሰባትን ግብሮምን እንምዝነሉን እንሰፍረሉን ኣብ ልቦናና ዝተሓተመ መነፅር ወይ ኣጠማምታ እዩ። ነዚ ነጥቢ ኣብነት ብምውሳድ ክነብረሆ። ሓደ ትካል ንግዲ (ወይ ነጋዳይ ውልቀ ሰብ) ወይ ትካል ወሃቢ ኣገልግሎት፣ “ዓሚል፥ ንጉስ እዩ።” ይብል። እዙይ፥ ሓደ መትከል እዩ። ነዚ ብቓል ዝግለፅ መትከል ግብራዊ ንምግባር ብትካል ወይ ብውልቀ ነጋዳይ ዝውገኑ መስርሓት ኣለዉ።
ህዝቢ ትግራይ፥ ከምቶም ካልኦት ማሕበረሰባት ዓለም ኣብ መዋእላት ዝሃነፆምን ዝውንኖምን ክብርታት ኣለዉዎ። በዞም ክብርታት ኣቢሉ፣ ወለዶታት ይሃንፅ፤ ካብ ንቡር መስመር ኣተሓሳስባን እምነትን ማሕበረሰብ ፍሒት ንዝበለ ኣባሉ የዐግስን ይመልስን፤ ታሪኽ የስንቕ፣ ኣባላት ማሕበረሰብ ባህሎምን ልቦናዊ ውቕሮምን ክፍለጡን ክፅንዑን ይገብር፤ ወለዶታት ከም ፍልስፍና ህይወት ገይሮም ክሕንገጡዎም ይፅዕር፤ ልቦና ወለዶታት ንምትራርን ንምህናፅን ይፅዕር። ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ክብርታት ዝውንን ህዝቢ እዩ። ንዅሎም ክብርታት ኣብዚ ፅሑፍ ብምልዓል ምዝታይ ኣዪከኣልን። ካብ ክብርታት ህዝብና ሓደ ብዛዕባ ዝዀነ ብዛዕባ ጅግንነት ኣሕፅር ኣቢልና ንምቕራብ ክንፍትን።
ጅግና፥ ዝተፈላለዩ ጠባያት ከምዝላበስ ምሁራት የረድኡ። ጅግና፥ ተባዕ፣ ደፋር፣ ቈ’ራፅ፣ ንህይወቱ ዘዪስስዕ፣ ቅኑዕ፣ ልዑል ነብሰ-ምትእምማን ዝውንን፣ መትከላዊ፣ ርህሩህ፣ ሓ’ላይ፣ ፀገማት እንተጓንፉዎ እውን ዘዪሕለልን ካብ ዝሓዞ መትከል ምንቕ ዘዪብልን፣ ሓዱሽ ሓሳብ ንምንቃል ዘዪእግሞን ርእሰ-ተበጃውን እዩ። ሓገዙን ደገፉን ንዝደልዩ ሕብረተሰብ ከም ሕብረተሰብ፣ ጕጅለ ሰባት ኰነ ውልቀ ሰባት ንምድጋፍ ውፉይ እዩ። ኣብ ተወፋይነቱ፣ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝገዘፉ ሓደጋታት ከጋጥሙዎ ከም ዝኽእሉ ይኣምንን ይቕበልን። መስዋእቲ ህይወት እውን ክኸፍል ከም ዝኽእል ይግንዘብ። ግን፥ በዚኣቶም እንተይረዓደን እንተየድሐርሐረን ኣካላት ካብኡ ዝፅበዩዎም ኣገልግሎታት ንምሃብ ግንባሩ ኣዪዓፅፍን። ንዝህቦ ኣገልግሎት እውን ዝዀነ ይኹን ዓስቢ ኣዪፅበይን። ብዛዕባ ጅግንነት ህዝቢ ትግራይ ክንዘራረብ እንትንብገስ ከስ ብውልቀ ኰነ ብሓባር ነዞም መለለዪ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።
ጅግንነት እንትበሃል ቀልጢፉ ኣብ ኣእምሮ ኣንባቢ ቅጅል ዝብል ትሕዝቶ ወይ ሓሳብ፣ ሰባት (ብውልቀ ኰነ ብጕጅለ) ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝፍፅሙዎ ጊድራ እዩ። እንተዀነ ግን፥ ሓርበኝነት ወይ ጅግንነት ሰባት ኣብ ዓውዲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ተነሓናሒኦም ብዘመዝግቡዎም ዝበረኹ ዓወታት ኣዪሕፀርን። ኣብ ዓውዲ ኲናት ምስ ፀላእቲ ገጢሙ ዝሰዓረን ፀላእቱ መልሓሶም ክሓይኩ ዝገበረን ጥራይ እንተይኰነስ፣ ኣብ ካልኦት ዓውድታትን ዘፈራትን ስራሕ ኣንዊሑ ዝተለመን ትልሙ ኣብ መፈፀምትኡ ንምብፃሕ ተረጋሪጉ ዝተዓወተን ኵሉ ጅግና እዩ። ምእንተ ረብሓ ህዝቢ ዝተበጀወ፣ ብጊዜኡ፣ ጕልበቱን ፍልጠቱን ዝተወፈየ ጅግና እዩ።
ህዝቢ ትግራይ፥ በብጊዜኡ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን መብረ ፀላእቲ ኣዪበትከሉን። ብፍላይ ካብ ውሽጢ ዝበቝሉ ግን ድማ ሓደ ዓይነት መዝሙር ብርሰትን ፅንታን ተጋሩ ዝዝምሩ ተስፋሕፋሕትን ኣሃዳውያንን ሓይልታት ካብ ገፅ ምድሪ እንተዘይሓኺኸሙዎ ድቃስ ኣዪወስዶምን። እኩይ ዕላማኦም ንምዕዋት ሰርካውን ሃረርታውን ባህጎም እዩ። ኣብ “ኣይትነብርን … ክነብር እየ።” ኣብ “ብረስ … ኣይበርስን።” ዝብሉ ተፃረርቲ ቅዋማት ኵሉ ጊዜ ሕሪካን ግ’ጥምን ኣሎ። ፀላእቱ ንውልቀ ክብሪ መራሕቶምን ንረብሐኦምን ትግራዋይ ንሃለዋቱን ንድሕንነቱን ይተፋነኑ፤ ኲናት ይውላዕ። ብመዳይ ወገን፥ ዝኸኣለ ኵሉ ድግድጊት ተዓጢቑ፣ ይስለፈሉ። ዘይከኣለ ደጀን ኰይኑ ይድግፍ። ወለ’ዲ፥ ደቆም መሪቖም ናብ ዓውዲ ኲናት የሰልፉ፤ “ጥይት ብግንባርኩም’ምበር ብሕቘኹም ከዪወቕዐኩም።” ብምባል ታሪኽ ሰሪሖም ክሓልፉ ሓደራ የሰክሙ። ንደቆም፥ ሕራነን ወነን ኣስኒቖም ይልእኹ። ናብ ኲናት ዝወፍሩ ተጋሩ፥ ምስ ፀላእቲ ኣድራጋ ይጠማጠሙን ይረማረሙን። ብውሑዶም ዕማም ብዙሓት ይዓሙ። ብውሑዶም ምስ ብዙሓት ይረጋረጉ። ኣብ መወዳእታ ፀላእቶም ሓመድ ድበ ብምእታው ሽግ ዓወት ዓቲሮም፣ ብኽብሪ ተፀምቢሎም መሰስ ይብሉ።
ህዝቢ ትግራይ፥ ከምዚኦም ዝበሉ ምዕራፋት ይሓልፍ፣ ዝተደገሱሉ ድግስ ሞትን ብርሰትን ይሰግር፣ ወለዶ ይሓልፍ፣ ወለዶ ይትካእ። ጅግንነት ከዓ መግለፂ ወለዶታት ተጋሩ ኰይኑ ይቕፅል። “ተጋሩ ተንኪፍካ ብቐሊሉ ኣይትገላገልን። … ተጋሩ ኣብ ማቻ ባሮት ኰይኖም ካብ ክነብሩ፣ እናፀገሞም ብጅግንነት ክቃለሱን ክሓልፉን ይመርፁ (ወንድሙ፣ 2014)። እቲ ብጣዕሚ ዝገርም፣ ጊዜ ይወስድ እንተዀይኑ’ምበር ወለዶታት ሕድሪ ወለዶም ዝቕበሉ፣ ጅግንነት ወለዶም ብሓቦን ብኒሕን ዝወርሱ፣ ዋሕስ ህዝቦም ዝዀኑ፣ ንመፃኢ ወለዶታት ጕዝጓዝ ጅግንነት ዝሓድጉ፣ መስዋእቲ ከም ገዝሚ ባህ እናበሎም ዝቕበሉ፤ ንዓዶም ዝውፈዩን ዝሓልፉን ኣእላፍ ጀጋኑ ይፈርዩ። እዙይ፥ ወርቃዊ መለለዪ ባህሪ ተጋሩ እዩ።
ጅግንነት ተጋሩ፥ ኣብ ባይታ ብቐሊሉ ሃሰስ ኢልካ እትረኽቦ ወድዓዊ ክውኑነት ስለዝዀነ ሓቁ ንዛረቦ። ንሃገረ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራትን ቦታታትን ብላምባዲና ሃሰስ ኢልካ እትረኽቦም በዝሒ ጀጋኑ ኣብ ምድሪ ትግራይ ግን ኣብ ሓደ ወለዶ ጥራይ ስፍርን ቍፅርን ዘይብሎም ጀጋኑ ትረክብ። “ጀጋኑና ብኸመይ ንሕዞም? ዝግበኦም ክብሪ ንህቦም ዶ?” ዝብሉ ሕቶታት ምልዓል ኣገዳሺ እዩ። ምኽንያቱስ ምስዚ ዛዕባ ተኣሳሲሩ፣ ሓደ ሓደ ጊዜ ፀላእትና ቀልዲ ኣምሲሎም ሕመቕና እንተውግዑ እውን ዝዛረቡዎ ወግዒ ኣሎ። “ተጋሩ፥ ጀጋኑኦም ንምንታይ ዘየኽብሩ?” ብምባል ሕቶ ተላዒሉ ይበሃል። “ስለዝበዝሑዎም ንመን ኣልዒሎም ንመን ክሓድጉ።” ዝብል መልሲ ተዋሂቡዎ። ጀጋኑና ኣብ ምኽባር ክንዲ’ቲ ዝድለይ ኣይንኸውንን። ፀላእቲ እውን ዝኣምኑሉ ግን ሳሕዊ ጅግንነት የብልናን። ትግራይ፥ ኣብ መዋእላ ሓ’ሪ ጅግንነት ወቒዑዋ ኣዪፈልጥን። ኣብዚ መዳይ ፀገም የብልናን።
ህዝቢ ትግራይ፥ ንሰነፍን ድስኩልን ሰብ ባይታ የብሉን። ብኣንፃሩ፣ ንጅግና ዝህቦ ክብሪ ዘለዎ ባይታ ሕርየት እዩ። ጅግና ከመይ ከም ዝሰሓል እውን ኣፀቢቑ ይግንዘብ። ከምኡ ብምዃኑ፥ ደቁ፣ ክጅግኑሉ ልዑል ባህጊ ኣለዎ። እዚ ባህጉ ስም እንትስይም የንፀባርቖ። “ሓየሎም፣ ኣርዓዶም፣ ዓብለሎም፣ ኣድሓኖም፣ እምባየ፣ ሃይደት፣ ሓለፎም፣ ሓኔታ፣ መኸታ፣ ማግደላ፣ ርእሶም፣ ሰዓረ፣ ንያት፣ ኣሕፈሮም፣ ኣስሊ፣ ኣስገዶም፣ ኣሸብር፣ ክንደያ፣ ዋልታ፣ ገዛኢ፣ ጐበዛይ፣ ጐይተኦም፣ ሓየት፣ ፈዳይ …” ብምባል ካብ ብህፃኖም ኣትሒዞም ረዚን ልእኽቶ ተሰኪሞም ክዓብዩ ይገብር።
ህዝቢ ትግራይ ብነፃነቱን ናፅነት ካልኦት ህዝብታትን ኣዪዋገይን። ኣብ ናፅነት ፅኑዕ እምነት ኣለዎ። ከምኡ ብምዃኑ ደቁ ብስም “ናፅነት” ይሰምዮም። ህዝቢ ትግራይ ንመትከል ይነብር። ብመትከል ይኣምን፤ ንመትከል ይግዛእን ይስዋእን። ምስ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግ ኣብ ዘካየዶ መሪር ተጋድሎ፣ ካብ ኣብራኹ ዝወፅኡ ተጋደልቲ ደቁ፣ ካብ ወለዶም ዝቐድሑዎ ክብርን ፍቕርን መትከል ብዝተፈላለዩ ኣገባባት የንፀባርቑዎም ነይሮም። ናብ ኲናት እንትወፍሩ መስዋእቲ ከም ዝኸፍሉ ብንፁር ይፈልጡ። ተጋደልቲ ናብ ኲናት በብኣንፈቱ እንትወፍሩ፣ “ኣብ መትከል ንራኸብ” ይበሃሃሉ። መትከሎም ዝወድቁሉ ዕላማኦም እዩ። ብህይወት እንተተሪፎም ብኣካል ክራኸቡ፣ እንተተሰዊኦም ከዓ ብመንፈስ ከም ዘስተማቕሩዎ ብምእማን እዚ ረዚን መልእኽቲ ይለዋወጡ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ፥ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ፣ ተጋደልቲ ንዝወፈሩሉ ህዝባዊ ዕላማን መትከልን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት የንፀባርቑዎም ነይሮም። ነዚ ዕማም ካብ ዘጋውሑ መይላታት ሓዲኡ ኪነት እዩ። ኣብቲ እዋን፣ ተጋዳላይ ህወሓትን ብምርጭኡ ኣብ ጐኒ እቲ ቃልሲ ተሰሊፉ ግቡኡ የወፍይ ዝነበረ ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ከብሒ ልቦም ከም ብሄራዊ መዝሙር ሓቲመሙዎም ካብ ዝነበሩ፣ መትከላዊ እምነቶም ካብ ዘንፀባርቑሎም ውፅኢታት ኪነት ካብ ስራሕቲ ነብስሔር ተጋዳላይ ከያኒ እያሱ በርሀ ሓደ ኣብነት ክንጠቅስ፤
ሓደራ ጐበዝ ትግራዋይ … ሓደራ ቀያሕ መትከልና
ሓደራ ጐበዝ ትግራዋይ … ሓደራ ቀያሕ መትከለይ
ዝሓለፈ ታሪኽ ክተበለይ
ግፍዒ ፀገም ውፁዕ ሓፋሽ ህዝበይ
ቃልሲ ኰይኑ ኣነስ ክኢለዮ
ጉራ ኵሎም ብኣደብ ፀይረዮ
ንራህዋ ንሰላም ውፁዕ ህዝበይ
ጋህዲ ክኸውን’ዩ ብሩህ ተስፋይ
ናይ ቃልሲ ህይወተይ
መትከል፣ ዝምርሑሉ ኣንፈት መስመር እዩ። መስመር ከዓ ህዝቢ ዝርበሐሉ ፅንሰ-ሓሳብ እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ንህዝቢ ዝሕለቕ ኵሉ ይስለፈሉ፣ ይቃለሰሉ። ተቓለስቲ፥ መትከላዊ ቃልሶም ከም ዝዕወት ይተኣማመኑ። ህዝባዊ ዕላመኦም ሸትኡ ክወቅዕ ከም ዝዀነ ኣዪጠራጠሩን። ዝግበር ፍትሓዊ ቃልሲ ግን ብውሱናት ተጀሚሩ መዕለቢ ከም ዘዪረክብን ቅብብል መትከል ከም ዝጠልብን ይግንዘቡ። ዘሳወሩዎ ፍትሓዊ ቃልሲ ንምትዕንቓፍ ዝእነቡ ጐባዕባዓትን ጃህራን ፀላእቲ ብምፅዋር ምእንተ ውፁዕ ሓፋሽ ህዝብታት ስኖም ነኺሶም፣ መዓንጠኦም ሸጥ ኣቢሎም ክቃለሱ፣ ፀገማት ክፃወሩ ከም ዝግባእ ይር’ድኡ። ከምኡ እውን ገይሮም። ኣብ ብልሒ ጫፍ ቃልሲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ደቂ ህዝቢ፣ ህይወቶም ምእንተ እዚ ቅዱስ ዕላማ እንትሓልፍ፣ ዝፈፀሙዎ ቅያን ተጋድሎን ኣብ ደሚቕ መዝገብ ታሪኽ ብወርቃዊ ቀለም ክሰፍረሎም ኣተሓሳሲቦም። ንተካኢ ወለዶ ሓደራ ኣሰኪሞም።
ህዝቢ ትግራይ፥ መትከላዊ ልባዊ እምነቱ ንምንፅብራቕ ‘መትከል’ ስያመ ደቁ ይገብር። ካብኡ እንተይወፃእና፥ ሓበን፣ ሚዛን፣ ኣብነት፣ ዕቝባ …” ብምባል ረዚን መልእኽቲ ክስከሙ… እናስተማቐሩዎ ክዓብዩ ባይታ ይፈጥር። “ኣግኣዚ፣ ኣሉላ፣ ሓየሎም፣ ሱባጋዲስ፣ ስሑል …” እናበለ ደቁ ብስም መትከላውያን ስሙያት ጀጋኑ ይፅውዕ። ረዚን መልእኽቲ ዝተሰከመ ስሞም ኣብ እዝኖም እናተቓለሐ እንትዓብዩ፣ ንስሞም ዝምጥን ስራሕ ክሰርሑ ባይታ የንፅፍ። ህፃናት ባህጊ ዝፈጥር ስሞም ዘሰክሞም ዕማም ንም’ውፃእ ወይ ንምዕጋብ (ሰብ ሙያ ስነ-ልቦና wish fulfillment ዝብሉዎ) ኣበርቲዖም ክሰርሑ ውሽጦም ይደፍኦም።
ልዕል ኢሉ፣ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ብኣብዝሓ (ብፍላይ ድሕሪ ዓስራይ ክፍለ ዘበን ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ዘሎ) ታሪኽ ልምዓትን ዕብየትን ከምዘይኰነ ገሊፅና። ታሪኹ፥ ምስ ኲናት ይተኣሳሰር። ኣክሱማውያን (ቅድምን ድሕርን ልደት ክርስቶስ ዝነበሩ)፥ ከም መጠን ቀዳመዎት ወለ’ዲ ተጋሩ ብጊዜኦም ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ልዕለ ሓያላን ግዝኣታት (ንሮማ፣ ቻይናን ፋርስን ይሓውስ) ሓደ ነይሮም ንብል። ልዕለ ሓያል ንምዃን፣ ብቝጠባ ንባዕልኻ ንምድልዳል፣ ኣብ መድረኽ ዓለም ዝለዓለ ዝናን ክብርን ንምውናን፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ቍጠባዊ፣ ባህላዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ፅልዋ ንምሕዳር ድልዱል ህንፀት ሰራዊት ይጠልብ። ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ንዝመፅኡኻ ወታደራዊ ተፃብኦታት ንምምካትን ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምውሓስን ብቑዕ ወታደራዊ ዓቕሚ ይሓትት። ህላወ ድልዱል ሰራዊት ከዓ ኣብ ሓደ ፀሓይ ኣዪፍጠርን። ድልዱል፣ ሓያልን ተፈራሕን ሰራዊት ኣብ ጥራይ መይዳ ብዝወሃቦ ወታደራዊ ታዕሊም ጥራይ እውን ኣዪፍጠርን። ወታደራዊ ዕጥቁን ቍመንኡን ንምምላእ ጊዜ ይወስድ። ዝፈ’ሶ ሳይንሳዊ ወታደራዊ ጥበብ፣ መዋእለ ንዋይ፣ ጊዜን ካልኦት ደገፍቲ ባእታታትን እውን ወሰንቲ እዮም።
ኣብ ዓውዲ ኲናት ብዝምዝገብ ዓወትን ብዝርከብ ተመኵሮን ገዚፍ፣ ተፈራሕን ዝተማለአ ወታደራዊ ቍመናን ዘለዎ ሰራዊት ይህነፅ። ንልዕሊ ሸሞንተ ምኢቲ ዓመታት ዝዘለቐ ልዕልና ኣክሱማውያን (ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ዘሎ መዋእሎም’ኳ እንተወሲድና) ልዕልነኦም ወታደራዊ እውን ነይሩ። ኵለመዳያዊ ልዕልና እንተኣልዒልና፣ ነዙይ ዘጣጠሐን ዘውሐሰን ጅግና ሰራዊት ስለምንባሩ ኣየማትእን። ኣብዚ መዳይ ዝነበረ ወታደራዊ ጅግንነት ተጋሩ ግን ኣይተመርመረን፣ ኣይተፀነዐን፣ ኣይተተንተነን፣ ኣይተሰነደን። እዙይ፥ ሓደ ገዚፍ ሕመቕና ምዃኑ ኣይንረስዕ። ኣብዞም ዝጠቐስናዮም መዋእላት ኣእላፍ ጀጋኑን ሓርበኛታትን ከም ዝነበሩና ኣፍካ መሊእኻ ምዝራብ ይከኣል።
ከምዚ ዝበለ ብራኸ ጅግንነት በብጊዜኡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተዳኸመ መፂኡ። ኣብ መወዳእታ ቅሂሙ። ኵለመዳያዊ ልዕልነት ተጋሩ ኣክሱማውያን ናብ ነበረ ተለዊጡ። ትሕዝተኦም ተመንዚዖም። በትረ ስልጣን ተጋሩ ካልኦት ተረኪቦሙዎ። ትግራይ ማንም እናመፀአ ዝዕንድረላ ዓውዲ ዓተር ኰይና። ህዝቢ ትግራይ እውን ብራኸ ክብሩ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናንቈልቈለ መፂኡ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰገነት ናብ ምድሪ ቤት ወሪዱ። መነባብሮ ሓሳረ መከራ ክደፍእ ተገዲዱ። ሰብኣውን ብሄራውን ክብሩ ተዋሪዱ። እዚ ኵነታት ንዘበናት ቀፂሉ። ወለዶታት ግን ድቃስ ዝወሰዶም ኣዪመስሉን። ኵነታት እናገምገሙን እናመዘኑን ክገብሩዎም ዝግባእ እናገበሩ ህይወት ቀፂላ። ጅግንነት ህዝቢ ትግራይ ሓደ ሻዕ እናቐሃመ ካሊእ ጊዜ እናተቐማሰለ ቀፂሉ። ዝተነፈጎ ሰብኣዊ ክብሩን ዝወረደን ዝወደቐን ብሄራዊ መንነቱን ናብ ቦትኡ ንምምላስ ስኑ ነኺሱ ተቓሊሱ። ብኸምዚ ቀፂሉ።
ኣብ ዳሕራይ ዘበን፣ በትረ ስልጣን ናብ ሸዋ ተዛዊሩ። ሸወቶት ቀንዲ ፀላኢኦም ‘ህዝቢ ትግራይ’ ገይሮም ስኢሎሙዎ። በብብርኩ ንዝፍጠሩ ውሉድ ወለዶኦም እናስረፁዎ መፂኦም። “ካብ ቀዳማይ ምኒሊክ ንው’ለድ ኢና፤ ናትኩምን ወገንኩምን ኢና።” እናበሉ ብምድህላል ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣርዑት ባርነት ቀርቂሮም ንምግዛእ፣ ንምምብርካኽ፣ ብቝጠባ ሰን ሰን ኣቢሎም፣ ድ’ከቱ ንምእታው ዘይፈንቀሉዎ እምኒ ኣይነበረን። ኣብ ልዕሊኡ ብዙሓት ሽጣራታትን ውዲታትን ፍሒሶም። ብሓፈሻ፥ ንሳቶም ንስልጣኖም፣ ህዝቢ ትግራይ ከዓ ንሃለዋቱ፣ ንድሕንነቱ፣ ንመንነቱን ንኽብሩን ንዘበናት ተገታጊቶም። ተጋሩ፥ ህዱእ ሃዋህውን ሰላምን ረኺቦም ቍጠባዊ ዓቕሞም ዘደልድልሉ ዕድል ሓሪሙዎም።
ነዙይ ስዒቡ ብቝጠባ ምሒር ተዳኺሞም። “ድኽነት ዕጫኹምን መዓልቦ ህይወትኩምን እዩ።” ዝተበሃሉ ክመስሉ ዳርጋ መለለይኦም ኰይኑ። ብቝጠባ እናተዳኸሙ መፂኦም። ድኽነትን ስእነትን ንዘበናት ኣብ ዝባኖም ዓሊሎም። ካብ ድኽነት ንምውፃእ ይገብሩዎም ዝነበሩ ፃዕርታት፣ የተኣታትዉዎም ዝነበሩ ኣብርሆታት ተዀሊፎሙዎም። ኣብነት፦ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘበን ብደቂቀ እስጢፋኖስ ተጀሚሮም፣ ብሓፀይ ዘርኣያእቆብ ሽወታይ ዝበርዐኑ ምህዞታት ምጥቃስ ይከኣል። ድኽነት ረይረይ ስለ ዘበሎም፣ ክንዲ’ቲ ዝድለ’ኳ እንተዘይሰጐሙ ምስ ትምክሕተኛታት ሸወቶት ንብሄራዊ ክብሮም፣ መንነቶምን ሃለዋቶምን የካይዱዎ ዝነበረ ግ’ጥም ኣየኳተተን።
ዘበናት እናተሸራረፉ ይምርቀፉ፤ ሸወቶት ሓፀያትን ነጋውስን ሓደ ነቲ ካሊእ እናገልበጠ፣ ግዝኣቶም እናሰፈሐን እናፀበበን ቀፂሎም። መንግስትነት ገዛእቲ ደርብታት ኣምሓራ፥ ሓደ ጊዜ ኣብ ተጕለት፣ ኣብ የረር፣ ካሊእ ጊዜ ኣብ ሽዋ ካሊእ ጊዜ ኣብ ጐንደር እናበለ ቦታ ይለዋውጥ ነይሩ (በላይ፣ 1995) ። ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝነበሮም ፅልኣትን ንዕቐትን ምስ ዝልወጥ ሓፀይ ወይ ንጉስ ኣዪቕየርን። ኣብ መሰረተ ሓሳብ ብዙሕ ኣፈላላይ የብሎምን። ትግራዋይ፥ ብስግኣት ብቐረባ ርሕቐት ዝከታተሉዎ “ኣንዊሖም ዝኣሰሩዎ ደርሆ” ኰይኑ ይቕፅል። ተጋሩ እውን ጊዜ ይፅበዩ። ውሽጣዊ ቍመነኦምን ሚዛን ሓይሎምን ይፍትሹ። ካብዚ ኵሉ ብቕልፅሞም ሓራ ዝወፅኡሉ ኣጋጣሚ የቋምቱ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ‘ተሓላሎ’ ብዙሓት ወለዶታት ይሓልፉ። ቅዋሞም ግን መትከላዊ እዩ። ምስ ዝሓልፉ ወለዶታት ኣዪሓልፍን።
ኣብ ጐንደር ነቊጡ ዝነበረ መንግስትነት ደርባውያን ገዛእቲ ኣምሓራ ጕዕዞ ቍልቍለት ጀሚሩ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተዳኸመ መፂኡ። ብፍላይ ካብ 1752 ዓ.ም. ክሳብ 1772 ዓ.ም. ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣዝዩ ተዳኺሙ (ጌታቸው፣ 2007) ። ኣብ ከተማ ጐንደር ክረአይ ጀሚሩ ዝነበረ ዕብየትን ስሕበት ፖለቲካ ናይ ምዃን ተኽእሎን ዘብቀዐ ይመስል። ጌታቸው (2007፥ 67-8)
ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት ወታደራዊ ሓይልን ፖለቲካዊ ልዕልናን ተጋሩ ንዘበናት ሰንከልከል እናበለ ይጐዓዞ ካብ ዝነበረ ጕዕዞ ኣባ ጋውየ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ በሪኹ። ኣብዚ መዋእል፥ ራእሲ ስሑል ሚኪኤልን ራእሲ ወልደስላሰን ግኑናት መሳፍንቲ ትግራይ እኒሀዉ። ራእሲ ስሑል ሚኪኤል ጠቕላይ ግዝኣት ትግራይ የመሓድሩ ኣለዉ። ኣብ ሓፂር ጊዜ ልዑል ዝናን ተቐባልነትን ረኺቦም። ራእሲ ስሑል ሚኪኤል ልዕሊ 30,000 ሰራዊት ብጣዕሚ ሓያል ሰራዊት ትግራይ ዝሃነፁ፤ ኣብቲ ጊዜ ካልኦት መሳፍንቲ ምስ ዝውንኑዎም ሰራዊት እንትነፃፀር፣ ብመንፅር ዘበናውነቱ፣ ኣወዳድብኡ፣ ስልጠንኡን ብቕዓቱን መ’ላእ ኢትዮጵያ ክውክል ኣብ ዘኽእል ቍመና ነይሩ (ሓዱሽ፣ 2011) ። ራእሲ ስሑል ሚኪኤል በዚ ብቕዓቶም ንፖለቲካ ምሕዝነት ተመራፂ ኰይኖም። መንበረ ስልጣኖም ነቀይ ነቀይ ትብል ዝነበረት ሹመኛታት ጐንደር “ኣብ ቤተ መንግስቲ ጐንደር ንዝተፈጠረ ቅልውላው፣ ናዕብን ዕግርግርን ንምርግጋዕ ዘኽእል ወታደራዊ ሰልፍን ቍመናን ኣለዎም።” ዘብል እምነት ኣሕዲሩሎም።
እንተዀነ ግን፥ ብራእሲ ስሑል ሚኪኤል ዝተፈጠረ ገዚፍን ተፈራሕን ወታደራዊ ዓቕሚ ተጋሩ ንዘበናት ሕልጭ ይብሉዎ ዝነበሩ ተስፋ ኵለመዳያዊ ሓርነት ኣየምፀአሎምን። እዚ ሓይሊ፥ ጊዜኡ ኣብ ምውሓስ መንበረ ስልጣን ነገስታት ጐንደር ኣሕሊፉዎ። ተጋሩ [ትግራይ – ትግርኚ]፥ ሃነን ኢሎም ብህርፍርፎት ዝርእዩዎ ግን ዘዪብላዕ ፍረ ኰይኑዎም። ጅግነነት ራእሲ ስሑል ሚኪኤል ስሙ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዘስፈረ፣ ብዓይኒ ባህጊ ተጋሩ ግን ትፅቢት ዝግበረሉ ፋይዳ ዘይፈየደ ኰይኑ ሓሊፉ።
ናብ ራእሲ ወልደስላሰ ክፍለየሱስ (1771-1808) ንስገር’ሞ ንሶም ኣብ ዝነበሩሉ መዋእል ዝነበረ ስረ ትግራይ ንለክም። ምኽንያቱ እንድዒ፣ ግን ታሪኽን ውዕሎ ጅግንነትን ራእሲ ወልደስላሰ ብፀሓፍቲ ታሪኽ ዝሉል (ጕሱይ) እዩ። ፀሓፍቲ ታሪኽ ትግራይ-ኢትዮጵያ (ካብ ውሽጢ ዓድን ካብ ወፃእን) ኣብ ገለ ገሊኡስ ሓንቲ ገፅ እውን በቂቖሙሎም። ይዅንደኣ’ምበር፥ ንልዕሊ 80 ዓመታት ዝዘለቐ ታሪኽ ዘበነ መሳፍንቲ ምፅሓፍ ብዘይካ ራእሲ ወልደስላሰ ጐደሎ ምዃኑ ይግለፅ። በዙይ በለ በቱይ፥ ትግራይ፥ ኣብ ዘበን ራእሲ ወልደስላሰ ስ’ሪኣ ዝያዳ ስጡም ነይሩ። ጅግንነት ደቃ ከምሻሙ ኰይኑ ሓሊፉ።
ራእሲ ወልደስላሰ፣ ኣብ መዋእሎም ኣብ ልዕሊ 40 ዓ’በይቲ ዓውድታት ኲናት ውዒሎምስ ኣብ ሓዲኡ’ውን ብመጋጥምቶም ዘይተሰዓሩ ሓርበኛ ነይሮም። ብንፅፅር ወታደራዊ ሳይንስ ዝተዓጠቐ፣ ንሶም ዝሃነፁዎ ሰራዊት ብፀላእቱ ብቐሊሉ ዘዪቝርጠም ጥረ ሓፂን ነይሩ። ኣብቲ እዋን፣ ካብ ጠረር ምሕደራ ራእሲ ወልደስላሰ ፈንተት ኢሎም ዝነበሩ ከም እኒ ራእሲ ጉግሳ (በጌምድር)፣ ራእሲ ገብሬ (ጐንደር)፣ ሳህለስላሰ (ሸዋ)፣ ራእሲ ሃይሉ (ላስታ)፣ ራእሲ መሓመድ ዓሊ (ወረሂመኖ)ን ካልኦትን ዝበሉ መሳፍንቲ ኣብ ዘለዉዎ ኰይኖም ሓፈትፈት ካብ ምባል ወፃኢ ንሰራዊት ራእሲ ወልደስላሰ ኣይኰነን ዶ ኣብ ዓውዲ ኲናት ክገጥሙዎምስ ዝነኦም ብርሑቑ እንትሰምዑ በጥበጥ ዝብሉሎም ነይሮም። ራእሲ ወልደስላሰ ኣዝዮም ተፈራሒ ሓርበኛ ነይሮም። ብምኽንያት እዙይ፥ ወረርቲ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ትግራይ ኣማዕዲዎም ዝርእዩዋ’ምበር ከምኣመሎም ንወራርን ህዝቢ ንምብስባስን እግሮም ዘልዑሉላ ኣይኰነትሎምን።
ድሕሪ’ዙይ፥ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ እንተይፀነሐ ብእኒ ደጃት ውቤ ተጐቢጡ። ንኽብሩ ዘዪምጥኑ መራሕቲ ሰሜን ከም ኣምበጣ ሰፊሮሙዎ። ኣብ ልዕሊኡ ሰፍ ዘዪብል ግብሪ ክኸፍል ተበዪኑዎ። ብዙሕ ግፍዕታትን ዓፀባታትን ኣውሪዶሙሉ። ሓሳርን መከራን መለለዪኡ ክሳብ ዝመስል ናብ ዝተሓተ መስመር ድኽነት ኣውሪዶሙዎ። ትግራዋይ፥ ህይወቱ ኣብ ድ’ከት ከሕልፎ ተገዲዱ። ብኽቡሩ ሓሲሩ፤ ጅግና ክነሱ ተዋሪዱን ተገፊዑን። ሐዚ’ውን ግን ነገራት ብዓቕሊ እናዀብኰበ ሕመቓቱ ንምርጋፍ፣ ብደዐታትን መቊሑ ብምሓዝ ሰንሰን ዘበሎን መግዛእቲ ደርቢ ኣምሓራ ካብ ዝባኑ ቀንጢጡ ንምድርባይ ጥጡሕ ጊዜ ምፅባይ ቀፂሉ።
ትግራይ ምድሪ እምቢታ እያ’ሞ፣ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ዓለም ዘስመዩ ሓርበኛታት ተፈጢሮም። እኒ ራእሲ ስሑል ሚኪኤል፣ ራእሲ ወልደስላሰ ክፍለየሱስን ደጃት ሱባጋዲስ ወልዱን ዘውጠኑዎን ዘብሰሉዎን፣ ብእኒ ሓፀይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋን ዝተቐየሰን ዝተሓደሰን ጅግንነት ተጋሩ ከም ወርቂ ደሚቑ። እዞም ኣቦታት ወርቃዊ ጅግንነት ፈፂሞም፣ ኣብ መዝገብ ክብሪ ስሞም ኣስፊሮም። እዞም ስሑላት ጅግንነት ተጋሩ ናብ ዝበረኸ ምዕራፍ ኣሰጋጊሮሙዎ። ንብዓት ውፁዕ ህዝቦም ክሕብሱ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ንዘበናት ዝዓለለ ውርደት ብብራኸ ክድብሱ፣ ሰላምን ድሕንነትን ከውሕሱ፣ ህዝቦም ካብ ምንጋጋ ዓፀባን ሕሱም ድኽነትን ኣናጊፎም ግምጃ ልምዓትን ዕብየትን ከልብሱ ተላዒሎም። ካብ ውሽጢ ዝፍጠሩ ባንዳታትን ደመኛታት ፀላእቲ ገዛእቲ ሽዋን፣ ካብ ደገ ብቐዪሕ ባሕሪ እናሃለሉ ድርኩዂት ትግራይ ዝረግፁ ወረርቲ ሓይልታት ንምምካት ህዝቦም ብምትሕብባር ብትብዓትን ብጅግንነትን ተጋዲሎም።
ሓርበኝነትን ጅግንነትን ተጋሩ፥ ኣብ መዋእል ሓፀይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ብራኸ በፂሑ። እዚ ጊዜ ንተጋሩ ወሳኒ ምዕራፍ ነይሩ። በቲ ሓደ ገፅ፥ ግብፂ፣ ድርቡሽን ጥልያንን ካብ ደገ ብተደጋጋሚ ድንበር ትግራይ – ትግርኚ ብሓይሊ እናጠሓሱ ተጋሩ ንምብስባስ፣ ንምጭፍላቕ፣ ክሳዱ ንምድናንን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ንምእታውን ሕርድግ ዝብሉሉ ጊዜ ነይሩ። ብኻሊእ ገፅ፥ ከም ምኒሊክ ዝበሉ ንውልቃዊ ስልጣኖምን ክብሮምን ዝጓየዩ፣ ልዑል ህረፍ ስልጣን ዝነበሮም፣ ነዚ ህረፍ ንምጭባጥ “ዕንቅፋት ይዀነና” ኢሎም ዝሓስቡዎ ህዝቢ ትግራይ ንምጕዕፃፅ ዘይተኣደኑ ሽጣራታት ዝፍሕሱሉ፤ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብፍላይ ምስ ባዕዳዊ ወራሪ ጥልያን ግንባር ብምፍጣር ዝለዓለ ክሕደት ዝፈፀሙሉ መዋእል ነይሩ።
ሓፀይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ነዞም ሓቅታት ብዝግባእ ዝተገንዘቡ ይመስሉ። ኣንፃር እዞም ሓይልታት ንምቅላስ ነገራት ብትዅረት ይከታተሉ። ህዝቦም ብምትሕብባር ኣንፃር እዞም ሰልፍታት ጠጠው ክብሉ ጊዜ ኣገዲዱዎም። በብጊዜኡ’ውን ኲናት ይበትከሎም ኣይነበረን። ኣብቲ ጊዜ ጅግንነት ተጋሩ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ። “ቈረፃ” ዝበሃል ሓዱሽ ስልቲ ኲናት ኣተኣታቲዎም፣ ኣማዕቢሎም፣ መለለዪኦም ክሳብ ዝኸውን ዋሕሊሎሙሉን ተጣቢቦሙሉን። ከም መግለፂኡ፣ ዘበነዎት ኣፅዋር ምስ ዝተዓጠቑን ስልጠና ሳይንስ ውትድርና ምስ ዝፀገቡን ባዕዳውያን ወረርቲ ሓይልታት በተደጋጋሚ ጦርነት ገጢሞም። መኪቶምን ተዓዊቶምን። ኣብ ገለ ገሊኡስ ንፀላእቲ ብዘይ ሰዳዲ ወረ የትርፉዎም ነይሮም። ሓፀይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ብፀላእቶም ተፈራሕቲ ኰይኖም። ውሕሉል ጥበብ ኲናት መለለዪኦም ኰይኑ። ጅግንነት፥ ምውዳድን ምስጥጣምን ወታደራዊ መሪሕነት፣ ሰራዊትን ደገፍን ተሳትፎን ሓፋሽ እዩ። ኣብቲ ጊዜ ‘ተፈፂሞም” እንብሎም ዘለና ቅያታት ንውልቀ ሰባት ጥራይ ዝወሃቡ ኣይኰኑን። ናይ ኵሉ ተሳታፊ ድምር ብምዃኑ ውፅኢት ዓወት እውን ናይ ኵሉ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ በብመዋእሉ ዝፍፅሞም ጊድራታት ናብ ምሉእን ፍፁምን ሓርነት ዘሰጋግሩ ኣይነበሩን። ቅያታት ይስርሑ። ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ግን ኣየውሕሱን። ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ምጥቃስ ይከኣል። ቀንዲ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ግን በብ ጊዜኡ ዝሕፈሱ ዓወታት ብምዕቃብ ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ዘሰጋግር መሪሕነት ምስኣን እዩ። ንውዲታት ፀላእቲ ክሳብ መወዳእታ ብምግንዛብ ንግብራዊ መልሲ ዘይምድላው ክኸውን ይኽእል። ብኸምዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓውዲ ኲናት ዝተዓጠቖ ስረ እናፈተሐ፣ መሊሱ እናተዓጠቐ፣ ብዘዪረብሑ ምኽንያታት መሊሱ ስሪኡ እናፈተሐ መፂኡ። በብወለዶኡ ግብሪ ደም እናገ’በረ መፂኡ። ንሱ ከዪኣኽሎ ኣብ ድኽነት፣ ድሕረትን ድንቍርናን ተሸሚሙ ዘበናት ክሓልፍ ተገዲዱ።
ኣብ መዋእል ሓፀይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ዝተረኣዩ ሓቦን ኒሕን ዝወለዶ ጅግንነት ብሸርሒ ገዛእቲ ደርቢ ኣምሓራ ተዀሊፉ። ህዝቢ ትግራይ መሊሱ ናብ ድ’ከቱ ኣቲዉ። ብድኽነት ሳፅዩ። ድላይ ፀላእቱ ንጊዜኡ እውን እንተዀነ “ተሳኺዑ”። በብ ጊዜኡ ዝውለዖም ዓመፃት፣ እናቐሃሙ ተፀጊሙ። “ቀዳማይ ወያነ” ኢሉ ህዝባዊ ዓመፅ ወሊዑ። ንሱ’ውን፥ ብዙሕ እንተይተጐዓዘ በርዒኑ። ግን ተደጒሉ። ህዝቢ ትግራይ፥ ዝተሓ’የሮ መቝሕ፣ ኣብ እንግድዑ ንዘበናት ዝፀወሮ ደርባዊ መግዛእቲ ክስከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ኰይኑዎ። ግፍዒ፥ ፅዋዕ መሊኡስ ፈሲሱ። ወፅዓ ክሳብ ቅርቅርቱ ሰኒጉዎ። ከም ካልኣይ ዜጋ ኴንካ ምንባር ልዕሊ ዓቕሙ ኰይኑዎ። ብ1967 ዓ.ም. ንኻልኣይ ጊዜ ወያነ ኣባሪዑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 40 ዓመታት ቈሪኑ ዝሓዘ ስርዓት ሃይለስላሰ ብ1966 ዓ.ም. ኣብቂዑ። መስከረም 2፣ 1967 ዓ.ም. ወታደራዊ ጕጅለ ንስርዓት ደርግ ዘዋለደ ባይታ ፈጢሩ፤ እዚ ጕጅለ “ጊዜያዊ ምምሕዳር ደርግ” ብዝብል ስያመ መንበረ ስልጣን ተቘናጢጡ። በትረ ስልጣን ዝዓተረ ደርግ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ከስፍን ከም ዘዪኽእል እናተገሃደ ከይዱ። ፖለቲካዊ ሃዋህው ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፈአ ኵነታት ተሰጋጊሩ። ዘላቒ መፍትሒ ክመፅእ ዝኽእል፤ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ልምዓትን ናፅነትን ዝረጋገፅ ብዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ከም ዝዀነ ኣብ ድምዳመ ተበፂሑ። ለካቲት 11/1967 ዓ.ም. ብውሱናት ብዛዕባ ህዝቦም ዝሓመሙ ደቂ ህዝቢ ፈለማ ኣብ ትሕቲ ፅላል ማሕበር ገስገስቲ ትግራይ (ማገብት) ደሓር ከዓ ኣብ ትሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ (ተ.ሓ.ህ.ት.) ብምውዳብ፣ ተደጒሉ ዝፀነሐ ቍልዒ ቃልሲ ህዝቦም ብምብርባርን ታሪኻዊ መስመሩ ክሕዝ ብምግባርን ሽግ ዳግማይ ወያነ ወሊዖም (መግለጫ ት.ህ.ነ.ኣ.ድ.፣ 1968) ። ሽግ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ በረኻ ደደቢት ተወሊዑ።
ጊዜያዊ ወታደራዊ ምምሕዳር ደርግ ስሩዕ ቁመና በትሪ መንግስትነት ዓቲሩ። ኣብ ከይዲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ወታደራት ወዲቡ። ገሊኡ ብሸመታ ገሊኡ ከዓ ካብ ዓባይ ሶቬት ሕብረት ብለመናን ብፍሉይ ደገፍን ዝተደለበ ዘበናዊ ኣፅዋር ተዓጢቑ። ኣብቲ ጊዜ፣ ትግራይ፥ ብበዝሒ ወታደራቱን ዝተዓጠቖም ኣፅዋርን ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ተወዳዳሪ ምስ ዘይነበሮ ስርዓት ደርግ ገጢማ። ህዝቢ ትግራይ ስኑ ነኺሱ ተቓሊሱ። ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ብልሕን ለዓትን ብምዃን ን17 ዓመታት ተጋዲሎም። ፍትሓዊ ዕላማ ተሓንጊጦም ቃልሲ ኣካይዶም። ጥምረት ህወሓትን ህዝብን ማእለ’ያ ዘይብሎም ቅያታት ሰሪሖም። ንምእማኖም ዘፀግሙ ጊድራታት ፈፂሞም። ብርዒ ብቐሊሉ ክገልፆ ዘዪከኣሎ ተጋድሎታት ሰሪሖም።
ኣብ ግንባር ዓውዲ ኲናት ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ደቂ ህዝቢ ሓደ ካብቲ ካሊእ ንምንፅፃር ብዘፀግም ኵነታት ጅግንነት ፈፂሞም። ኣብ ጫፍ ብልሒ ኲናት ዝነበሩ ተጋደልቲ ደቂ ህዝቢ ልዑል ዕላማ ፅንዓት ነይሩዎም። ንዕላማኦም ውፉያት ነይሮም። ሓርበኛታት ተጋደልቲ ሞት ከም ፀጋ ይቕበሉ። መስዋእቶም ኣየጨንቖምን፤ ዝወደቑሉ ዕላማ ከዪኽበስ ንብፆቶም ሕድሪ የሰክሙ። ብፆቶም ተወሳኺ ናህርን ሕራነን ከጥርዩ፣ ይውሕዝ ዘሎ ደሞም ብኣፃብዕቶም እናጠምዑ ኣብ ከውሒ ጭርሖ ይፅሕፉ፣ ንመቓልስቶም ረዚን ብፃያዊ መልእኽቲ ይሓድጉ። ሓይሊ ፀላኢ ንምድምሳስ እናተረማረሙ ብኸቢድ ብረት ፀላኢ ዝተቘረፀ ክፋል እግሮም ብኢዶም ናብ ላዕሊ ሓፍ ኣቢሎም ብሕራነ ጨሪሖም። ዝተቘረፀ እግሮም እንተየገደሾም ይወድቁሉ ዘለዉ ዕላማ ከም ዘዪዅለፍ ብምትእምማን “ድፋዕ ማለሊት ኣዪድፈርን!” ብምባል ቃላት ነድሪ ኣቃሊሖም። ኣብ ታሪኽ ወያነታት ዓለም ተራእዩ ዘዪፈልጥ ሓርበኝነት ፈፂሞም። እናኽመስመሱ ክቡር መስዋእቲ ይኸፍሉ። ተጋዳላይ ከያኒ እያሱ በርሀ ነዚ ክብሪ ተጋሩ ብዝግባእ ስለዘስተውዓለ ይመስል፤ ብምዃኒ’ውን፥ ኵሒሮማይ ኣብ ዝብል ታሪኻዊ ድርሰቱ ንህዝባውያን ተጋደልቲ ተጋሩ ከምዚ ብምባል ተቐንዩሎም።
ሞት ድርኵዂት ረጊፁ ተኳሳይ
ትንፋሱ እንትሓልፍ መኽመስመሳይ
ኣብ ዝነበረ ፈታኒ ጕሁር ዕጥቃዊ ቃልሲ 17 ዓመት፣ ዘዪነፅፍ ደገፍ ህዝቢ ዝተጐዝጐዙ ተጋደልቲ ህወሓት ፍልይ ዝበለን መስደመምን ጅግንነት ፈፂሞም። ምናልባት ዝተፈፀመ ጅግንነት፣ ክንዲ’ቲ ዝድለይ ኣይተመዝገበን … ኣብ እዋኑ ኣይተሰነደን ይኸውን። ግን ክዉንን ኣንፀባራቕን ሓርበኝነት ተራእዩ። ወርቃዊ ታሪኽ ተመዝጊቡ። ተጋደልቲ ህወሓት፥ ጥይት ፀላኢ ካብ ዝበዝገሎ ስገኦም ንዝውሕዝ ደሞም ብኣፃብዕቲ ኢዶም እናጠምዑ ብደሞም ምፍራሞም፤ ኣብ ኣኻውሕን ዝዓረዱሎም ኣእማን ድፋዓትን ጭርሖ ምፅሓፎም፣ ከምኡ እናገበሩ ብኽብሪ ምሕላፎም፣ ንሰማዒኡ ዝእመን ኣዪመስልን። ንሳቶም ግን ገይሮሙዎ። ከምኡ ብምግባሮም፣ ንህዝቦምን ንዕላመኦምን ዝነበሮም ልዑል ፍቕሪ ኣመስኪሮም። ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም። ኪዳኖም ኣሐዲሶም። ካብ ሰናይ ጊሓቱ ዝተሰለፉሉ ህዝባዊ ቃልሲ ከም ዝዕወትን ኣብ ጫፍ ዝተበገሰሉ ዕላማ ከም ዝበፅሕን ንፃት ተጠራጢሮም ኣዪፈልጡን፤ ምእንተዙይ፥ ቃሎም ንመቓልስቶም ሓዲጎም። ንዝተረፉ ብፆቶም ኒሕን ሓቦን ኣስኒቖም፤ ፍናን ብፆቶም መሊኦም። ኣብ ዕላመኦም ዝነበሮም ሓፂናዊ ፅንዓት ብግብሪ ኣመስኪሮም። ተቓለስቲ ደቂ ህዝቢ፥ ከምዚኦም ዝበሉ መስተንክራት፣ ጫፍ ዝዓረጉ ስርሒታትን ሕ’ሉፍ ጅግንነትን ፈፂሞም። ብድምር፥ 60 ሽሕ መስዋእቲ፣ ልዕሊ 100 ሽሕ መጕዳእቲ ኣካል ተኸፊሉ። ክፅብፀብ ዘዪኽእል ብርሰት ንብረት ኣጋጢሙ። ከምኡ ኰይኑ ግን ሳ’ላ ጅግንነት ዝተባረዐ ህዝባዊ ቃልሲ ተዓዊቱ።
ስርዓት ደርግ፥ ጕንበት 20/1983 ዓ.ም. ብዋናነት ብቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ግብኣተ መሬት ኣቲዉ። ድሕሪ ዓወት ህዝቢ ትግራይ፣ ፃማ ቃልሱ ከስተማቕር ጀሚሩ። ካብ ድኽነት ናብ ልምዓት፣ ካብ ድሕረት ናብ ምዕባለ፣ ካብ ድንቍርና ናብ ፍልጠት ንምስግጋር ተርመይ ኢሉ። እንተዀነ ግን ደቂሶም ዘዪድቅሱ ታሪኻውያንን ደመኛታትን ፀላእቱ፣ ኵለመዳያዊ ገስጋሳት ህዝቢ ትግራይ ብምዕጋት ናብ ጥንቲ ጥቅምቲ ንምምላስ ተረባሪቦም። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፥ ደሙ ገ’ቢሩ ዝተኸሎ ሕገ-መንግስቲ ተራቢዕኻ ንምድርባይ፣ ኣእላፍ ቀያሕትን ፀለምትን ከፊሉ ዝሃነፆ ፌደራላዊ ስርዓት ብምፍራስ፣ ኣዕፅምቲ ደቁ ቈስቊሱ ዝወለዖ ብርሃን ሓርነት ንምቕሃም፣ ሕልሚ ጐተቶም ንምግሃድ፣ ተረባሪቦም። ህዝቢ ትግራይ ልቢ ኣዕብዩ፥ ምእንተ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝተኸፈለ መስዋእቲ ዝፈጠሮ ቍስሊ ተፃዊሩ ሕዙን ከም ሕጉስ ኰይኑ ዘገም ምባሉ ረሲዖም፣ ደመኛታት ፀላእቱ ኣብ ምጥፋእ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብዜሮ ኣራቢሖሙዎ። ጅግንነት ተጋሩ ንምህሳስ ላሕ ኢሎም። ማዕሮ፣ “ደርግ ብባዕሉ ዝፈረሰ ስርዓት እዩ።” ኢሎም መ’ዲሮም።
ህዝብን መንግስትን ትግራይ ግን ሐዚ እውን ንዅሉ ብም’ፅዋር ተፃብኦታት ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ንምፍታሕ እንተይረብረቡ ኣማራፅታት ኣቕሪቦም። ኣፈሙዝ ብረት ናይ መወዳእታ መማረፂ’ምበር ነገራት ብልዝብ ክፍትሑ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፤ ተማሕፂኖም። ግን ባህጎም ኣይሰመረን። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ይገብሩዎ ዝፀንሑ ርብርብ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በፂሑ። ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ናብ ጥቅምቲ 25 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅሉዕ ወራር ተፈፂሙ። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣመሎም ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዘራያት ዓዲሞም። ትግራይ ዙርያ መለሽ ብምኽባብ ብኣልማሚት ህዝቢ ምጭፍጫፍ ጀሚሮም። ንብረቱ ዝውሰድ ወሲዶም፣ ዘይከኣሉዎ ኣዕኒዎሙዎ። እዞም ባርባራውያን ወረርቲ ሓይልታት ሃፍቱን ጥሪቱን ጓሕጒሖሙዎ።
ህዝቢ ትግራይ፥ ፈለማ ተደናጊሩ፣ ተደናጊፁ። ነገራት ምስ ከረሩ ግን ኣይተደሃለን፣ ዝያዳ ፀኒዑ። ብመንግስቱ እናተመረሐ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምርግጋፅን መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ብዘላቕነት ንምውሓስን ቃልሱ ቀፂሉ። መንእሰይ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ዝፃወር ዓቕሊ ስኢኑ። ናብ በረኻታት ትግራይ ውሒዙ። ነባር ሓይልን ሓዱሽ ወለዶን ክናበቡ ጊዜ ኣይወሰደሎምን። ሓዱሽ ወለዶ፥ ስሩዕ ወታደራዊ ስልጠና ኣይረኸበን። ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ከም ዝምስክሩዎ፣ ንሰለስተ መዓልቲ ይስልጥን፤ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ናብ ኲናት ይኣትው፣ ይሳተፍ። ስሩዕን ነዊሕን ወታደራዊ ስልጠና ምስ ዝወሰዱ፣ ዘበነዎት መሳርሕታት ኲናት ክሳብ ኣፍንጨኦም ምስ ዝተዓጠቑ ወረርቲ ሓይልታት ገጢሙ። ሕርሕራይ ገይሩ ይቐፅዖም። ፊገን ኰይኑ ኰስቲሩዎም። ራዛ ተመሲሉ ኣርሚዱዎም።
ፀላእቱ፥ ስም ክርስትና ኣውፂኦሙሉ፣ “ጁንታ” ብምባል ሰምየሙዎ። “ጁንታ ተደምሲሱ፣ ጁንታ ናብ ገፅ ንፋስ ከም ዝተበተነ ሕሩጭ በኒኑ፤ ዝተበተነ ሕሩጭ ኣኪብና ናብ ንቡር ክንመልሶ ኣይንኽእልን።” ብምባል ብደዐ ፀውየሙሉ። ሰራዊት ትግራይ ግን ሓመድ ልሒሱ ተላዒሉ። ሰራዊት ትግራይ መስተንክር ሰሪሑ። ሓዱሽ ክስተት … ሓዱሽ ምዕራፍ … ሓዱሽ ገድሊ … ሓዱሽ ታሪኽ ፈፂሙ፣ ንቡር ግን ፍሉይ ባይታ ዝወሃቦ ጅግንነት ሰሪሑ። ጅግንነቱ ቃላት ክገልፁዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ኰይኑ። ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ምውልዑ ዘዪተርፍ እናዀነ ኣብ ዝመፀአሉ ጊዜ፣ ነባር ተጋዳላይ ስየ ኣብርሃ ኣብ ሓደ ቃለ ምልልሱ፣ ከም ተጋሩ “ኮራትን ክፍላተ ሰራዊትን ፀላኢ ከመይ ከም እነፍርስ፣ ባዕልና’ውን ኮራትን ክፍላተ ሰራዊትን ከመይ ከም ዝህነፁ ንፈልጥ።” ኢሉ ነይሩ። ኣብ ሓፂር ጊዜ ሰራዊት ትግራይ ተሃኒፁ። ክፍላተ ሰራዊትን ኮራትን ጥራይ እንተይኰነስ ኣርምታት እውን ተሃኒፆም። ንክፍላተ ሰራዊትን ኮራትን ኣብዪ ኣሕመድ እናቐፀየ ከፍርሶም ጀሚሩ። ሰራዊት ትግራይ ንፀላእቱ ዘዪዕኰት ጓህሪ፣ ብቐሊሉ ዘዪስገር ረመፅ ኰይኑዎም።
ሓመድ ልሒስካ ምልዓል፣ ፀላእቲ “ጠፊኦም።” እንትብሉኻ ህይወት ምስራዕን ፊት ንፊት ክትገጥም ምኽኣል፣ ከም ፍልሖ መሬት ፈንቂልካ ምውፃእ፣ እሞ ንፀላእቲ ፀይፀይ ክብሉን ሓመድ ድፋጨኦም ክሰትዩን ምግባር፣ ኣፅዋሮም እናራሕርሑ ክሃድሙ ምግባር፣ ቅዱም ትሕዝቶ መሬቶም እናገደፉ ናብ ናይ ባዕሎም ትሕዝቶ ክሽምረሩ ምኽኣል፣ ወጢሩዎም ዝነበረ ትዕቢት ክትንፍስን በይናዊ ተዅሲ ጠጠው ከም ዘበሉ ብግላጭ ክእውጁ ም’ግዳድ፣ ሓደ ውሳነ ቅድሚ ምውሳኖም ክልተ ጊዜ ክሓስቡሉ ምኽኣል፣ ነዙይ ስዒቡ ውሳነኦም ደጊሞም ክርእዩዎ ምግባር፣ ጅግንነት እዩ። ምናልባት’ውን ካብኡ ንላዕሊ እዩ።
ሰራዊት ትግራይ ዝፈፀሞም ተጋድሎታትን ዘርኣዮም ጅግንነታትን ንወገን ጠስሚ ልቡ ዘስተየ፣ ልቢ ፀላእቲ ዘፋሰገን መዓንጣ ከብዶም ዝበተኸን ኰይኑ ሓሊፉ። ኣብ ማሕደር ታሪኽ ተሰኒዱ። ሰራዊት ትግራይ ዝፈፀሞም ጅግንነታት ቀለም ብርዒ ክገልፆ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ከም ዝዀነ ላዕለዎት ወታደራዊ ኣዘዝትን መራሕቲ ፖለቲካ ትግራይን ብተደጋጋሚ ሓሳቦም እናሃቡ መፂኦም።
ኣሃዳውያንን ትምክሕተኛታትን ፀላእትና ወትሩ መዓልታዊ ድላዮም መሬት ትግራይ’ምበር ህዝቢ ትግራይ ኣይኰነን። ከምኡ ብምዃኑ፥ ብዛዕባ ህዝቢ ኣዪጭነቑን። ንህዝቢ’ኳ ደኣ የበሳብሱ፤ ህዝቢ ይቐትሉ፣ ንብረት ይጕሕሉ፣ ማእለ’ያ ዘይብሎም ግፍዕታት ይፍፅሙ። እዙይ፥ ኣይፍትሓውን። ከምዚ ዝበሉ ወራራት ብዙሓት እዮም። ህዝቢ ትግራይ ፍትሓዊ ሕቶ ብምሓዝ ይብገስ። ምስ ፀላእቲ ይቃለስ። ንሃለዋቱ ይጋደል። ህዝባዊ ኲናት ይውልዕ። ፆታ፣ ዕድመ፣ ሃይማኖትን ካሊእ ኣተሓሳስባን እንተይገመዖ ከም ንህቢ ናብ ሓደ ይዓጕጕን ይውደብን። ሓቢሩ ይስለፍ። መቐሎ ስራሕ ይገብር። ኣብ ግንባርን ኣብ ደጀንን ኰይኑ ከከም ዓቕሙ ይውፈይ፣ ይኳሻሕ። ኣብ መዓንጣ ፀላእቲ ብምዃን’ውን ንዕላምኡ ብፅንዓት ይቃለስ። ብኸምዚ ዝበለ ምውዳድን ምንባብን ፀላእቲ ዝሕምሸሹ ይሕምሽሽ፣ ዝተረፉ ፀፊዑ ናብ ዝመፅኡዎ ይመልስ። ድሙቕ ታሪኽ የፅሕፍ። ከምዚ ዝበለ ጅግንነት ካብ ውሽጢ ኰነ ካብ ደገ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘቕንዑ ብዙሓት ወራራት ብግብሪ ተራእዩ።
ንኡስ ሓዱሽ ወለዶ ምስ ወለዱ ከም መዓርን ጠስምን ተወሃሂዱ። ግንባሮም ንዓረር ንምሃብ ሰገጥ ዘዪብሉ ተጋሩ ተፈጢሮም፤ ንደመኛ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ሕርሕራይ ገይሮም ደኲዖሙዎም። ቅስሚ ፀላእቲ ሽዋሕዋሕ ኣቢሎም ሰባቢሮሙዎ። ደም ኣንቢዖሙዎም። ረመፅ ኰይኖሙዎም። ሓየታትን ዋዕሮታትን ተጋሩ ንፀላእቲ ከም ሓያል ማዕበል ሰኒጎሙዎም። ንብዓት ህዝቦም ሓቢሶም። ዋሕስ ህዝቦም ኰይኖም። ከም ጥዋፍ ነዲዶም፣ ዋግዋጎ ብሩህ ተስፋን ሽግ ሓርነት መፃኢት ትስፍውትን ትግራይ ኰሊዖም። ብደሞም ንወለዶታት ዝዝንተው ዘስደምም ቅያን ጊድራን ሰሪሖም። የዒስ! ትግራዋይነት ማለት ጅግንነት እዩ። እዙይ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝነግሮ እዩ፤ ትምክሕቲ ኣይኰነን። ብመሰረቱ ትምክሕትስ ብጥቓ ተጋሩ ከም ዘዪሓልፍ ክፍለጥ ይግባእ።
ኣሃዳውያንን ገዛእቲ ደርቢ ኣምሓራን ብቝፅሪ ሰብን ኣፅዋር ጋዕ ገልጠምን ይኣምኑ፤ የምልኹ’ውን። ንዋሕዲ ህዝቢ ትግራይ ከም ሓደ ረቃቒቶ ብምጥቃም ብበዝሖም ከዳህልሉዎ እንታይ ዘዪገብሩ! ብዝተዓጠቑዎ መጠንን ዘበናውነትን ኣፅዋር ይንየቱ። በዝሖምን ዕጥቆምን፣ ካብ ኵሉ ዘናግፎም ይመስሎም። ተጋሩ፥ ብኣንፃሩ፣ ብኸምዚታት ቅንጭ ኣዪመፅኦምን። ከያኒ ተጋዳላይ እያሱ በርሀ፥ ነዚ ዘዪንቕነቕ ታኼላ እምነት ተጋሩ ብዝግባእ ዘንበቦን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝተዓዘቦን ሓቂ ብኸምዚ ይገልፆ፤
ትርሺ መዳፍዕ ታንክታት ነፈርቲ
ብኣፅዋር ውግእ ይዅን እንተበዘሐ ዘማቲ
ናይ ፀላኢ ሓይሊ ኣዪዓግቶን ቃልስና
ነዚ ኵሉ መልሲ ይሰበር ዓፅምና።
ተጋሩ፥ ካብ ማንም ንላዕሊ ንሰናይን ፍትሓውን ዕላመኦም ይኣምኑ። ፍትሓዊ ዕላመኦም ድልዱል ዘንጎምን ንዅሉ ዝፀውር ማእገሮምን እዩ። ከምኡ ብምዃኑ፣ ብውሑዶም ፆር ብዙሕ ይስከሙ። ብውሑዶም ምስ ብዙሓት ገጢሞም፣ ፀላእቶም የረብርቡ፣ ፀላእቶም የሻል የብሉ። ቃላት ክገልፁዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ጅግንነት ይፍፅሙ። ብእኡ ይልለዩ።
ኣብ ክ’ሊ ጅግንነት ተጋሩ፣ ሓደ ነጥቢ ክነልዕል። ሰራዊት ትግራይ ንነባር እምነትን ብሰብ ሙያ ታሪኽ ከም ክልስ ሓሳብ ዝዝንተውን መትከል ዘፍረሰ ይመስለኒ። “ታሪኹ ብዝግባእ ዘዪፈልጥ፣ ታሪኽ ክሰርሕ ኣዪኽእልን።” ንዝበሃል ከም ክልስ ሓሳብ ዝዝረብ መግለፂ ዝሰበረ ይመስለኒ። ርግፅ እዩ፣ ብፍላይ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ፣ ታሪኽ ትግራይ … ታሪኽ ወለዱ ክንድ’ቲ ዝድለይ ቈፂሩ ዘረከቦ ኣካል ኣይነበረን። ታሪኽ ወለዱ በቲ ዝድለይ መልክዑ እናተዘንተወሉ ኣይዓበየን።
በዚ መዳይ “ኣብ መንጎ ንኡስ ወለዶን ወለዱን ኢሉ እውን ቀዳሞዎት ወለዶታት ፋጓ ታሪኽ ተፈጢሩ።” ዝብሉ ስክፍታታት ብስፍሓት ይንፀባረቑ ነይሮም። ገለ ገሊኡ እዋንስ ኣብ ልዕሊ ንኡስ ወለዶ ይቐርቡ ዝነበሩ ነቐፌታታት ብዙሓት እዮም። “ታሪኹ ዘዪፈልጥ፣ ባህሉ ዘየፅነዐ፣ ብባህሊ ወፃእተኛታት ዝተዓብለለ፣ ንቛንቍኡ ዝስከፍ፣ ኣብ መንነቱን መግለፅታት መንነቱን ብዙሕ ዘዪግደሽ…” ዝብሉ መግለፅታት ይልጠፉሉ ነይሮም። ካብዚ ሕልፍ እንትብል፣ “እምበርከ እዚ ንኡስ ወለዶስ ኣዪበል’ምበር ወራሪ ሓይሊ እንተመፂኡናስ ከድሕነና ድዩ?” ዝብል ሕቶን ስክፍታን’ውን ይለዓል ነይሩ።
ንኡስ ወለዶ ትግራይ ነዞም ስክፍታታት ብተግባር ደምሲሱዎም። ሕድሪ ዝሓለፉ ጀጋኑ ኣፅኒዑ። ካብ ህሉዋት ጀጋኑ ወታደራዊ መራሕቲ ወለዱ ጅግንነት ወሪሱ። ሓደራ ህዝቡ ብደመ-ነብሲ ተቐቢሉ። ምስ ነባራት ምኩራት መራሕቱ ብፅቅያት ዓይኒ ተረዳዲኡ። ትግራይን ህዝባን ከድሕን ቅድሚት ተሰሊፉ። ቆፍኡ ከም ዝተነኸኦ ንህቢ ተተንቲጉ ወፂኡ፣ ኣቕቲሩ። ብግብሪ ተወፍዩ። ንህይወቱ ኣይሰሰዕን። ቤዛ ሚልዮናት ተጋሩ ኰይኑ፣ ምእንተ ግፉዓትን ውፁዓትን ሓሊፉ። ንብዓት ኣደታትን ኣሓትን ሓቢሱ። ሓዘን ወለ’ዲ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ደ’ቢሱ። ሕልሚ ፀላእቱ ኣበርዒኑ። “ሰራዊት ትግራይ ከም ሕሩጭ ተበቲኑ፣ በኒኑ፣ ዳግም ኣኪብካ ሕሩጭ ምግባር ኣዪከኣልን።” ዝበሉ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መልሓሶም ክሓይኩ ገይሩ። ክልተ ጊዜ ኣዛሪቡዎም። ኣገንዕ ሰራዊት ትግራይ!
ሰራዊት ትግራይ ፍሉይ ቅያ ሰሪሑ፣ ዘስደምምን ዘስመየን ጅግንነት ኣርእዩ። ዘጋጥሙዎ መጕዳእቲ ከም መውጋእቲ ዕሸዅ ዘፍኵስ፣ ሞቱ ትሕቲ ክብሪ ትግራይን ክብሪ ህዝቡን ዝሰርዕ፣ ንፍትሓዊ ዕላማኡ ዘቐድም፣ ንዝወፀአሉ መትከል ቅድሚት ዝስለፍን ምእንተ ህዝቢ ዝኽፈል መስዋእቲ ክብሪ ገይሩ ዝቘፅርን ስሑል ሰራዊት ኰይኑ። ክንዲ ብስም ኣብ … ክንዲ ቢስሚላህ፣ “ትግራይ ትስዕር!” ይብል። ከምኡ መበሊኡ ሕሉፍ መንፀፍ ታሪኽ ስለዝውንን እዩ። ከም ወዮ ሓደ ከያኒ ዝበሎ፤ “ትግራይ ትስዕር ዝበልና … ሕሉፍ ታሪኽ እዩ ሰረትና።” እዩ። ሰራዊት ትግራይ፥ ስዕረትን ውርደትን ከም ካካይ ይፅየፍ። ክስዕርን ፀላእቱ ከንበርክኽን ግን ዝኽፈል መስዋእቲ ይኸፍል። ባህጉ እውን ብግብሪ ኣርእዩዎ። ህዝቢ ትግራይ ንምንፃት ብመዝረ ንዝወፈሩ ዕስለ ፀላእቲ ካ’ባ ሕፍረት ጐምጒሙዎም። ስዒሩዎም፤ ደዃዕዃዕ ኣቢሉዎም። ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ንብርዒ ፀሓፍቲ ታሪኽ ዝፍትን ረዚን ታሪኽ ፈፂሙ።
“ንምንታይ ከምኡ ክኸውን ክኢሉ?“ ክለዓል ዝግበኦ ሕቶ እዩ። ቅድም ኢልና እናዘርዘርናዮም ዝመፃእና ማሕበረ-ባህላዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቍጠባውን ፍልስፍናውን ክዉንነታት ማሕበረሰብ ኣብ ምቕራፅ ጅግንነት ወለዶታት ግደ ከምዘለዎም ርእይና። ካሊእ ተወሳኺ ምኽንያት፥ ርኡይ ግደ ስድራን ማሕበረሰብን እዩ። እዙይ፥ ስድራን ማሕበረሰብን ኣብ ዘዪዛርይ ህንፀት ልቦና ምስዘበርክቱዎ እጃም ብቐጥታ ይተኣሳሰር። ወለድና፥ ኣብ ኣቀራርፃን ኣተሃናንፃን ህፃናት ደቆም ሃፍታም ተመኵሮ ኣለዎም። ስድራ፥ መኣዲ ከቢቢቦም እንትምገቡ፣ ምስያ ክሳብ እዋን ድቃስ ሓቢሮም ሓዊ እንትስሕኑ ህፃናት ደቆም ብዝተፈላለዩ መይላታት ይዅስኵሱ። ካብ መዋእሎምን ካብ ህይወት ወለዶምን ዝቐረሙዎም ተመኵሮታት የካፍሉዎም። ስነ-ቃላት (ኣብነት፦ ፈኸራ፣ ጉማየ፣ ነበረ ያ ነበረታት፣ ምስላታት፣ ባህላውያን ደርፍታት) ምርራው፣ ካብ ዝሰነዱዎም ፍልጠታትን ታሪኻትን እናመዘዙ ባህሪ ደቆም ይቐርፁ። መላእምቲ ዘይብሎም ዛንታታት የዘንትዉሎም። ጅግንነት የስንቑዎም። ብኸምዚ እናተሃነፀ ዝዓበየ ህፃን፣ ታሪኽ ኣሉላ፣ ዮሃንስ፣ ብላታ ሃይለማርያምን ካልኦትን እናተዘንተወሉ ዝባፅሕ መንእሰይ መን ደኣ ክኸውን? ንመን ድኣ ክመስል? ናይ ኣቦ ትወርሶ’ምበር ንመን ትህቦ?
ኣንታ ዕንዱ ወዲ ዕንዱ ወዲ
ብሓምባር ወጨፎ ተሳጓዲ
ኣንበሳ በረኻ መንኳዕደዲ
ቅጫ ዓተር መፀበቒ መኣዲ።
ጕርማፅ እየ በሎም ኣይፍለፅን
ከውሒ እየ በሎም ኣይለሓፅን
እምባ እየ በሎም ኣይጕነፅን።
ብድማር ጅግንነት ባህሊ እዩ። ብእኡ ትዅስኰስ፣ ብእኡ ትባፅሕ … ከምኡ ትኸውን። ወለድና ኣብ ኣቀራርፃ ባህሪ ደቆም ብዙሕ ጥበብ ይውንኑ። ፀልማት ክትደፍር፣ ጣሻን በረኻን ጥሒስካ ክትከይድ፣ ፍርሒ ክተወግድ ትዕለም። ሓደ ልሙድ ግን ኣብ ህንፀት ጅግንነት ወለዶ ቀሊል ዝመስል ነጥቢ ክነልዕል። ወላዲ ወይ ዓብዪ ሓው ወይ መሰታ ኣገሪሆም፣ “ሓዞ” ብምባል ዓትዒቶም ይሕዙኻ። ከም ስንብድ ግን ከዓ ብትብዓትን ብድፍረትን፣ “ወዲ ኣይተ እገለ መን ይሕዞ!” ብምባል ትምልስ። ዝዀነ ይዅን ኣካል ከምዘዪሕዘካ፣ ሒዙ ከምዘየፅነዐካ ውሽጥኻ እናኣመነ ይኸይድ። እዙይ፥ ካብ ኣተዓባብያ ፀጋታት ማሕበረሰብና ሓደ እዩ።
ካልኣይ ምኽንያት፥ ህዝቢ ትግራይ ፍትሓዊ ዕላማ ሒዙ ስለዝብገስ እዩ። ፖርቹጋላዊ ኣባ ማኑኤል ኣልመይዳ ካብ 1614 – 1616 ዓ.ም. ናብ ኢትዮጵያ – ትግራይ ዝኣተወን ዝነበረን ሚስዮናዊ (መልእኽተኛ) እዩ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ብዛዕባ ተጋሩ ዝተዓዘቦም ባህርያት ሰዓርነትን ኣብ ኲናት ዘርእዩዎም ባህርያትን ንምግላፅ ፈቲኑ ነይሩ። ንሱ፥ ትግራዋይ ወታደር ወልፍን ሃንቀውታን ምቕታል የብሉን፤ ናብ ጦርነት ዝኣትው ኣሚኑሉ’ምበር ግላዊ ረብሓ ንምርግጋፅን ብምርኮ ክህፍትምን ኣይኰነን፤ ኣዋጅ ክተት እንትኣምነሉ ግን ብፍቕርን ብፍታውን ይወፍር። ኣብ ዓውዲ ኲናት መቝሰልትን ሞትን ብፀጋ ይቕበል። ክቡር ዕላማን ምኽንያትን ሒዙ ናብ ኲናት ስለዝሳተፍ ክሳብ መወዳእታ ይኳሻሕ። ትግራዋይ፥ ኣብ እዋን ኲናት ብዘይምህዳሙ ካብ ካልኦት ይፍለይ። ትግራዋይ ካብ ፀቕጢ ካልኦት ወፃኢ ብውልቀ ድልየቱ ናብ ኲናት ስለዝወፍር፣ ብልቢ ስለዝዋጋእን ስለዘዪሃድምን መብዛሕተኦም ዓውዲ ኲናታት ብሰዓርነት ይድምድሞም። ተጋሩ ንዋኒን ዓዶምን ህዝቦምን ቀዳምነት ብምሃብ ስለዝወፍሩን ስለዝዋግኡን ካብ ዝወፈሮ ዓውዲ ኲናት ዓወት ዓቲሩ ይምለስ።
(ኣብ ከይዲ ሕትመት ካብ ዘሎ መፅሓፍ ዝተወሰደ …)