ሕዚ ዘለናሉ መድረኽ ዕድል ነጥቢ መቐይሮ ንዝላ ዝጠልብ እዩ። መድረኽ ነጥቢ መቐይሮ ንዝላ ክንብል እንተለና ክልተ መሰረታዊ ባህሪያት የማልእ። እቲ ሓደ እታ ተለጋጊባ ዝፀንሐት ሃገር ነቲ መልገባ ኣተኣሳሲሩ ዝፀንሐ ፈትሊ እናተበጣጠሰ መፂኡ ኣብ ቀልቀል ምብትታን ምብፅሓ እዩ። ናይዚ ውፅኢት ኣብዛ ሃገር ዝፀንሐ ምእኹል ስርዓተ ምሕደራን ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ኣሰላልፋን ከምኡ ውን ናይ ገዛኢ ፓርቲ ኣቓውማን ሃደሽደሽ ኢሉ ይፈርስ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝኒሀ ቀውሲ በቢድሌቶም ክምዝምዙ ናይ ዝደልዩ ተዋሳእቲ ሓይልታት በዝሕን ኢድ ኣእታውነትን እናበርተዐ ምምፅኡ ነቲ ኩነታት የወሳስቦ ምህላው እዩ። ውፅኢቱ ድማ ናይ ኩነታት ኢተገማትነትን ተርእዮ ቅልጡፍ ለውጥታትን ዕለታዊ ሓቂ ኮይኑ ምህላው እዩ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ኣብ ውሽጡ ብዙሓት መማረፅታት ዝሓዘለን ናብ ብዙሕ መንገዲ ከምርሕ ዝኽእልን እዩ። ካብቶም መማረፅታት ውሽጢ ምፍልላይ፣ ምስዘዝስማዕመዐካ ብኮንፈደሬሽን ምጥማር፣ እቲ ዝፀንሐ ፌደራል ስርዓት ምቕፃል ወዘተርፈ ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ዝውሰን ግና ብቐንዱ ኣብ ሞንጎ ክልተ መሰረታዊ ኣንፈታት ዘሎ ጎንፅን ነዞም ኣንፈታት ናይ ዝውክሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝካየድ ቃልሲ ጥንካረን ከምኡ ውን ካብቶም ብዙሓት መማረፂታት እቲ ዝሓሸ ኣብ ምምራፅ ዝህሉ ናይ ዝኽፈል ዋጋ ስልሒትን ዝምስረት እዩ። እቲ ሓደ መሰረታዊ መንገዲ ናብቲ ዝኣረገ ናይ ምምላስ ኣንፈት እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከምነጥቢ መቐይሮ ተጠቒምካ ናብ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ሓዱሽ ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ኣንፈት እዩ። ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ ብውልቀሰብ ይኹን ብሕብረተሰብ ብርኪ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ምስግጋር ዝረጋገፅ ብዝነኣሰ ካብ ክልተ ነገራት ዝብገስ እዩ። እቲ ሓደ ስቓይ (Pain) እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ ንፁር ባህጊ (Aspiration) እዩ። እዚኦም ተነፃፂሎም ኣይርኣዩን። ብስቓይ ጀሚሩ ናብ ንፁር ባህጊ ዘይሰጋገር ተበግሶ ኣይዕወትን። ንፁር ባህጊ ሒዙ ዝተበገሰ ድማ ስቓይ ክሓልፍ እንተዘይፈቒዱ ዕላምኡ ኣይዕወትን። እስራኤል ሃገር ዝኾነት ካብ ስቐይ ተላዒላ እዩ። እቲ ስቓይ ንብዙሓት መዋእላት እናቐፀለ መፂኡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ብናይ ሽዱሽተ ሚሊዮን ኣይሁዳውያን ህልቂት ናብ ጠርዙ በፂሑ ብምስረታ ሃገረ እስራኤል ዝላ ተረጋጊፁ። እኒ እንግሊዝ ብናይ ኣውሮፓውያን ኣቆፃፅራ ኣብ መበል 17 ክፍለዘመን ናብ ኡንድስትሪ ዝተሰጋገራ ኣብ መበል 14 ክፍለዘመን ዝተፈጠረ ሕማም ለበዳ ሲሶ ህዝቢ እንግሊዝ ክሃልቕ ብምግባሩ ዘስዓቦ ናይ ሓረስቶት ዓመፅ ኣብቲ መስፍናዊ ኣገዛዝኣ ዘስዓቦ ለውጥን ምህዞታት ሓደሽቲ ቴክኖሎጂን ናይ ባሕሪ ንግዲ ምንቕቓሕን እዩ (Acemoglu, Robinson,2012)። ከምሳዕቤን እቲ ሽዑ ዝተፈጠረ ነጥቢ መቐይሮን ኣጠቓቕምኡን ድማ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ምዕራብን ምብራቕን ኣውሮፓ ንዘሎ ኣፈላላይ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለፅ። ሲንጋፖር ድሕሪ ካልኣይ ዓለም ኩናት ዝተፈጠረት ብማለዥያ ስለዝተገፍዑን ነዚ ስዒቡ ዝተፈጠረ ነጥቢ መቐይሮ ብአግባቡ ኣለልዩ ናብ ብራኸ ዝውስድ ንፁር ባህጊ ዝሓዘ መሪሕነት ስለዝወነኑን እዩ።
ካብ ዓለም እንመሃሮ ድሕሪ ብዙሕ ፈተናታት ምሕላፍ ዝፍጠር ነጥቢ መቐይሮ ናብ ዝላ ምስግጋር ዝከኣል ነቲ ኩነታት ኣንቢቡን ሓላፍነት ወሲዱን ዝንቀሳቐስ መሪሕነት ምስዝህሉ ጥራሕ እዩ። መሪሕነት እንትንብል እንተለና ነቶም ብዙሓት መማረፅታት መምዩ ትኽኽለይና ሕርያ መሪፁ ኣብ ዙርያ እቲ ሕርያ ሓይልታት ኣተሓባቢሩን ምሕዝነታት ፈጢሩን ናብ ሓደ ኣንፈት ዘፍስስ ባእታ ወይ ከዓ ናይ ባእታታት ምሕዝነት ንምግላፅ እዩ። ዕድል ነጥቢ መቐይሮ እንተጋጥም ብስእነት ናይ ዝላ መሪሕነት ወይ ድማ ኣብ እዋኑ ዘየዳግም ውሳነ ብዘይምውሳን ምኽንያት እቲ ዕድል ይመክን እዩ። እቲ ዕድል ዝፈጠረ ኩነታት ግዘ ብዝወሰደ ቁፅሪ ድማ ኣንፃር ናይ ዝላ ሓይልታት ምሕዝነት እናዓንተረን ፍሽለት ለውጢ እናዛየደን ይኸይድ። ስለዚ እንውስነሉ እዋን ሕዚ እዩ።ኣብ ዕንክሊል እንፀንሐሉ ግዘ የብልናን።
ኣብዚ እዋን እዚ ትግራይ ውን ዕድል ነጥቢ መቐይሮ ገጢሙዋ ኣሎ። እዚ ዕድል መሊስና ክንረኽቦ ዘይንኽእል ገዚፍ/ዓብዪ ሃፍቲ እዩ። እቲ ሕቶ ኣብ እዋኑ ነዚ ነጥቢ መቐይሮ ተጠቒማ ናብ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ምዕራፍ ንባዕላ ተሰጋግር ወይስ ምውሳን ኣብዩዋ ናብ ዝተለመደ ዕንክሊል ትኣቱ ዝብል እዩ። ናይዛ ሓፀር ፅሕፍቲ ዕላማ እዚ ሕቶ እዚ ምምላሳ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ናይ ነጥቢ መቐይሮ ኣጠማምታ መብገሲ ብምግባር ኣብዚ ጉዳይ ምይይጥ ንምቑስቃስ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን ዕድል ነጥቢ መቐይሮ ተፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ወርቃዊ ዕድል ናብ ሙሉእ ረብሓና ክቕይር ዝኽእል ቁመና ግን ኣይተፈጠረን ዝብል ተሓሳቢ ብምግባር ንትግራይ ዘለዎ ትርጉምን ንኹለመዳያዊ ሓርነታዊ ዝላ ከመይ ንጠቐመሉ ኣብ ዝብልን ንኡሽቶ ሓሳብ ሸው ከብል ይፈቱ።
እንታይ ኢና ንብል ዘለና?
ትግራዎት ንብዙሕ ኣሸሓት ዓመታት ኣብ ናይ ስልጣነ ብራኸ ፀኒሕና። ካብ 10ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ስልጣነና ንቑልቁል ምውራድ ጀሚሩ። ካብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ንድሓር ድማ ናብ ሓሙኽስቲ ተቐይሩ። ከምውፅኢት ትግራይ ንልዕሊ 8 ሚኢቲ ዓመታት ኣብ ናይ ዒንክሊል ጉዕዞ ኣትያ። እቶም ሕዚ ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት ናይ ሸሞንተ ሚኢቲ ዓመታት ጉዕዞና ውፅኢት ምኻኖም ምቕባል ይሓትት። እዚ ድማ ሕብረተሰባዊ ውድቀት እምበር ናይውሱናት ልሂቃን ውፅኢት ኣይኮነን። ከምሕብረተሰብ ክንብል እንተለና ኣብ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፍልስፍናዊ፣ ስነልቦናዊ ፣ መንግስታዊ ምሕደራ፣ እምነታትን ብሄራዊ መንነትን ዝተፈጠረ ምምራት፣ ምኽላስን ፣ምግላስን ንምግላፅ እዩ። በቢመድረኹ ትግራይ ስልጣነና መሊስካ ንምልዓል ዝገበረቶም ወያነታት ናይ ዒንክሊል ቀለበት ሰይራ ክትወፅእ ኣየኽኣሉዋን። ኮይኑ ግን እቶም ወያነታት ብሄራዊ ክብርና መሊኡ ከይጠፍእ ገይሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ናብቲ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ምዕባለ ንኽንበፅሕ ነናይ ባዕሎም እጃም ተፃዊቶም እዮም። ሕዚ ንዘመናት እናተዋህለለ ዝመፀ ውሽጣዊ ሕብረተሰባዊ ዝግመተ ምዕባለን ናይ ደገ ደፋእቲ ረቓሒታትን ተዳቢሎም ታሪኻዊ ዝላ ክንፍፅም ኣብ ዘገድድ ናይ መወዳእታ ጠርዚ በፂሕና ኣለና። እቲ ጠለብ ዝላ ብቐንዱ ፖለቲካውን ትካላውን ኮይኑ ምርግጋፅ ኩለመዳያዊ ሓርነት እዩ። ኣብቲ ናይ ሸሞንተ ሚኢቲ ዓመታት ሕሉፍ ጉዕዞና ዝስረት እንተይኮነስ ነቲ ናይ ኣኽሱማዊ ብራኸ ስልጣነ ተሞርኩዙ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ክግለፅ ዝኽእል ብራኸ ምዕባለ ንምብሳር ዝጠመተ እዩ። ስለዚ ኣብ ዘመናት ሓደግዝ ዘጋጥም ዕድል ነጥቢ መቐይሮ ኣብ ኢድና ኣትዩ ኣሎ። እዚ ድማ መፃኢ ዕድል ትግራይ ዝውስኑ ታሪኻዊ ውሳነታት ምውሳን ይጠልብ ኣሎ። እስካብ ሕዚ ነዚ ዕድል ናብ ረብሓና ክንቅይር ዘኽእለና ቁመና ኣይፈጠርናን።
እዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ነጥቢ መቐይሮ ካብ ስቓይ እዩ ዝብገስ። ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ትግራይ ስቓይ ፍልፍል እዩ። እስካብ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣብ መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ እያ ክትነብር ሞኪራ። ሕዚ ግን ትግራይ ንኢትዮጵያ እትኸፍሎ መስዋእትነት ክትቅበል ኣብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ በፂሓ ኣላ። ስለዝኾነ መፃኢ ዕድላ ኣብ ባዕላ ዝምስረትሉን ኩሉ ጠመተኣ ናብ ውሽጣን ናብ ባዕላን ዝዞረሉ መድረኽ እዩ። ድሕሪ ሕዚ ምስ ካልኦት ክህልወና ዝግባእ ርክብ ንረብሓናን ስልጣነናን ብዝህልዎ ኣበርክቶ ጥራሕ ተዓቂኑ ዝምስረት እዩ ዝኸውን። እዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ነጥቢ መቐይሮ ተቐልቢሱ መሊስና ናብ ዕንክሊል ከይንኣቱ ድማ ኩለመዳያዊ ሓርነትና ንምርግጋፅ ከመይ ንጠቐመሉ ኣብዝብል ከምዝስዕብ ርኢቶይ ይገልፅ።
ናበይ ንጠምት?
እንታይ ንግበር ንምርኣይ እዘን ዝስዕባ ቅሩብ ቅድመ መደምድምታት ከቐምጥ ይፈቱ ።
- ኣብ ኢትዮጵያ ዘይዕረቕ ናይ ኣጠማምታን እሴታትን ተቓርኖ ኣሎ።
- ሕዚ ውን መንነታዊ ብሄርተኝነት እቲ ዝዓንተረ ማሕበረሰባዊ ውዳበ እዩ።
- በዝሒ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ናይ ስልጣን ዋንነት ሕቶን ተስፋሕፋሓይ ፖለቲካን ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ ኣሎ። ብዓይኒ ናይዞም ናይ ብዙሓት (Majority) ኣገዛዝኣን ናይ ዜግነት ፖለቲካን ሓይልታት እንትርአ ድማ ግደ ትግራይን ተጋሩን ኣብ ኢትዮጵያ ቦታ የብሉን ወይ ከዓ ካብ መገልገሊ መሳርሒ ንላዕሊ ክህልዎ ኣይደልዩን።እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብቲ ህዝቢ ውን ዝሰረፀ እዩ።
- ኣብ መፍረያይነት ዝስረተ ዕዳጋ ዘይኮነስ ብሉፅነትን ፀጋን ናይ ካልኦት ዓምሪርካ ክትጥቀም ኣብ ምድላይ ዝሰረተ ፅግዕተይናን ጨፍላቓይን ርክብ ዓብላላይ ቦታ ኣለዎ።
- ምስካልኦት ርክብ ክህሉ እንተኾይኑ ድማ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ህልውና ዝተፈላለየ ኣቃውማ ስርዓተ መንግስታት ዝጠልብን እዩ።
ስለዚ ናይ ሓፂርን ዘላቕን ረብሓ ትግራይ መሰረታዊ ናይ ኣጠማምታ ዝላ (Paradigm shift) ሒዝካ ጥራሕ እዩ ዝረጋገፅ። “ፓራዳይም ሽፍት” ድማ ዕንይንይን ናይ ላንጋ ላንጋ ፖለቲካን ኣይፈቅድን። ካብቲ ሕሉፍ መንገዲን ጉዕዞን ውን ብዓይነቱ ዝተፈለየ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ቀፀሊ ጉዕዞና ሓርነት ትግራይ ዘብስር ክኾን ኣለዎ። ሕመረት ሓርነት ትግራይ ብሄራዊ መንነትን ክብርን ትግራዋይነት እዩ። እዚ ማለት ሓርነትና ኣብ መንነታዊ ክብሪ ትግራይን ትግራዋይነትን ክስረት ኣለዎ። እዚ ንኽኸውን ድማ ንባዕልና ካብ ድሕረታትን ጠቐራትን ፈጢሮምዎ ዘለው ቤት ማእሰርቲ ነፃ ምውፃእን ምስሕሉፍ ስልጣነና ናይ ምትእስሳር ኣብርሆት ዝጠልብ እዩ።
ሓርነትና ኩለመዳያዊ (ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ወዘተ…) ይኹን እምበር ቅደም ስዓብ ዝሓትት እዩ።
ቀዳምነት ክስራዕ ዘለዎ ፖለቲካዊን ብሄራዊ መንነትን ሓርነት ምርግጋፅ እዩ። ፖለቲካዊን ብሄራዊ መንነታዊ ትካላውነትን ንቑጠባዊ ትካላውነት መሰረት እዩ ካብ ዝብል እምነት ክብገስ ኣለዎ። እዚ ማለት ሕቶ ህንፀት ብሄረ- መንግስትነት ትግራይ (Nation-state of Tigrai) ቅድሚ ኩሉ ክረአ ኣለዎ። ሕቶ ህንፀት ስልጥንትን ስሕበታዊትን ሃገረ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ሓቓፋይን ኣሳታፋይን ፖለቲካዊ ምሕዳር ክፍጠር ኣለዎ። ሕምብርቱ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረ ኣሳርን ቀያድን ሕግታት ኣፍሪስካ ንብሄራዊ ፈጠራን ህንፀት ስርዓተ መንግስትነት ትግራይን ብዘመቹ ክስራሕ ኣለዎ።
ብዘይፖለቲካዊ ሓርነት ቁጠባዊ ሓርነት ብዘይ ቁጠባዊ ሓርነት ድማ ፖለቲካዊ ሓርነት የለን። ናይ ትግራይ ቁጠባዊ ሓርነት ሕመረት ሓራ ዝወፀ ፣ ብሉፅነቱ ዘለለየ፣ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ዝወነነ ሰባ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ልምዓትን ምውፋርን ሓይሊሰብ ዘተኮረ ፖሊሲን ስትራቴጂን ክህልው ይጠልብ። እዚ ንምርግጋፅ ድማ ንባህግን ስልጣነን ብሄረ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ከምኡ ውን ፍሉይ ብሉፅነት ትግራዎት (ማሕበረሰባዊ ሃፍቲ) ኣውፂኡ ተወዳዳሪ ዓቕሚ (Competitive advantage) ዝፈጥር ስርዓተ ትምህርትን ስልጠናን ምምዕባልን ምትግባርን ይሓትት።
ብምጥቕላል ሕዚ መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣብ እንውስነሉ ነጥቢ መቐይሮ በፂሕና ኣለና። እቲ ቃልሲ ኣብ ሞንጎ ዝላ ዘረጋግፅ ኣንፈት መሪፅካ ንቕድሚት ምምራሽን ፀጋጊንካ በቲ ዝፀንሐ ኣንፈት መሊስካ ናብ ዕንኪልል ምእታውን እዩ። ክልቲኦም ኣንፈታት ዝሓትዎ ዋጋ ኣሎ። ኮይኑ ግን ዝኽነ ዓይነት ዋጋ ንኽፈል ሕርያና ዝላ ዘረጋግፅ ሓርነት ሃገረ ትግራይ ክኸውን ኣለዎ። ብሄራዊ መንነትን ክብርን፣ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ሓርነት ትግራይ ምግሃድ ናይ ሓፂርን ነዊሕን ባህግና እዩ። ካብዚ ወፃእ ዘለው ጉዳያት ነቲ ስትራቴጂያዊ ድሌትና ተገዛኢ ክኾኑ ኣለዎም። ሓርነትና ኣብ ባዕልና እምበር ኣብታ ዘይትፅገን ኣረጊት ሃገር ኣይረጋገፅን። ዝፀንሑን ሓደሽትን ርክባትና ናይ ምምሕዳር ጉዳይ እቲ ዘላቒ ረብሓና ንምርግጋፅ ብዝልህዎም ዋጋ ጥራሕ ዝምዘኑ ክኾኑ ኣለዎም።
ዘልኣለማዊ ክብሪ ነቶምናብዚ ዘብፅሑና ሰማእታት
ትግራዋይነት ይዓምብብ
ብሜ/ጀ ተኽለብርሃን ወ/ኣረጋይ (ዶር)