ትግራይ፡ ህልው ኩነታትን ቀፅሊ ኣንፈትን
ብ ጌታቸው ኣረጋዊ
መእተዊ
ታሪኽ ትግራይን ተጋሩን ታሪኽ ስልጣነ፣ ውድቀትን ቁልቅለትን፣ ቃልስን መኸተን፣ ዓወተን መመሊስካ ዕንክሊልልን እዩ። ሐዚ እዚ ኸምዙይ ዝበለ ጉዕዞ ብዕምቆት ብምምርማር መልክዕ ዝሕዘሉን ዘላቒ መፍትሒ ዝእንፈተሉን ዝትግበረሉን ግዜ እዩ። ንዙይ ድማ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ፃዕርን ትግሃትን ዘድልዮ፥ ግልፂ፣ ኣሳታፊን ሓቋፍን ምይይጣትን ምርምራትን ብስፍሓትን ብዕምቆትን ምክያድ ዝጠልብ እዩ። እቲ እሂን ምሂን ምብህሃል ኣፍኩስካ ዝርአ ዘይኮነስ ናይ ህልውና/ከም ህዝብን ዓድን ናይ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን እውን ዝውስን ውራይ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ኹነታት ታሪኻዊ ድሕረባይትኡ፡ ሱር መበገሲኡ፣ ትሕዝትኡን ሳዕቤኑን ብባህርን መንነትን ተዋሳእቲ፣ ዛዕባታቶም/ሕቶታቶምን ዓውዱን ክምርመር ዘለዎ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ መን እንታይ ይገብር ዝብል ብዘርኢ ኣንፈትን ስትራተጅን ክቕመጠሉ ይግባእ። ሕቶታት ትግራይ፣ ዛዕባታት ትግራይን ተጋሩን፣ ባህጊ ትግራይን ተጋሩን ብግቡእ ብምንፃር መፍትሒ ኣንፈትን መቃለሲ መይልኡን ብግልፅን ዘረዳድእን ክቕመጥ ይግባእ።
- ህልው ኩነታት ትግራይ፡ ብሓፂሩ እንትግለፅ፡
ትግራይ ሐዚ እቲ ሕንዳ ዘይብሉ ፅንትት (ጆኖሳይድ) ኲናት ዘስዕቦን ንዘበናት እናተዋህለለ ዝፀንሕነን ዝተሓላለኹ ፀገማት ተዓኳሊሎም ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ስነልቦናዊ…… ቅልውላውን ፀገምን ትርከብ። እቲ ‘ጆኖሳይዳዊ’ ውግእ ብቲ ፍርርም ፕሮቶርያ ጠጠው ዝበለ እኳ እንተኾነ መሊኢና ካብቲ ኲናት ወፂኢና ወይ ኣብ ድሕረ ዂናት ኣለና ንምባል ግን ኣይክኣልን፡ ከምዙይ ምዃኑ ድማ እቲ ኹነታት የመና ዝተሓላለኸ ይገብሮ። ህዝቢ ትግራይ በቲ ልፍንታዊ ናይ ፅንተት ኲናት ዝበፅሖ ዕንወትን ብርሰትን እዙይ ኢልካ ዝግለፅ ኣይኮነን። ወታደራዊ ሓይልን መሳርሕን ተጠቒሞም ሰቡ ቐቲሎም፣ ንፁሃን ጨፍጪፎም (ጨፍጪፎም ጥራይ እንተይኮነ ንቡር ቀብሪ ‘ውን ከልኪሎም)፣ ገዝኡን ንብረቱን ኣባዲሞምን ኣዕኒዮምን፣ መሰረተ ልምዓቱን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላትን ኣዕኒዮም፣ ሃፍቱን ጥሪቱን ዘሪፎም።
እዙይ ከይኣክል ሐዚ እውን መሊኡ ጠጠው ዘይብለ ናይ ህዝብና ምፍንቓልን ምጉሱቛልን ኣብተን ብወረርቲ ሓይልታት ተተሓዘን ዘለዋ ኸባታት ይቕፅል ኣሎ። ብዙሕ ዝተፈናቐለን ዝተሰደተን ህዝብና ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን፥ ዳርጋ ናይ ዓመትን ፈረቓን ዝኾን ባጀት ኣይተለቐቐን፡ በዙይ እውን መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክኽፈል ኣይተኽኣለን፥ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ኣይተሰርሐን፥ ግልጋሎታት መሊኦም ክጅምሩ ኣይተገበረን፥ ሰብኣዊ ሓገዝ የለን፥ ዝተወረሰን ዝተዘረፈን ንብረትን ሃፍትን ወልቀን መንግስትን ኣይተምለሰን/ኣይተኽሓሰን፥ ኣብታ ሃገር ዘለና ውስስእ መልክዕ ኣይሓዘን፡ ውክልናና ኣይተረጋገፅን ወይ ፍትሕ ኣይፈፀምና እንድላሎ/ብዘየለናሉ ፌድራል መንግስቲ ይውሰነልና፥ ወረርቲ ካብ ግዝኣትና ኣይወፁን፣ ምምላስን ምጥያሽን ሰራዊት ኣይተኻየደን፣ ዳግመ ሕወየትን ህንፀትን ኣይተጀመረን ወዘተ።
እዚታት ዘምፅኦን ዝፀንሑ ዘይተፈትኡ ሱር ዝሰደዱ ፀገማትን ተሓዊሰሞ ኩነታት ትግራይ ኣብ ኣዙዩ ክፉእ ኩለመዳያዊ ቅላውላውን ፅልግልግን ይርከብ። እዙይ ዝወለዶ ውሽጣዊ ፀገማትናን ግድማዊ ሓደጋታትን ብዝግባእ ምምርማር ከድሊ እዩ። መዋፅኦን መፍትሕን ንምቕማር ምእንታን ክጥዕም እዙይ ቅሩብ ዝርዝር ኣቢልና ክንሪኦ።
እቲ ዘሎ ኩነታት ብኽልተ መክዕ ከፊልካ ምርኣይ የድሊ። ዝተኣኣሳሰረ ዋላ እንተኾነ ግዝያዊ ፀገማትን ንዘመናት እናተዋህለሉ/እናተሓለለፉ ዝመፁ መሊኢና ክንፈትሖም ዘይክኣልና ወይ ክንፈትሖም ዘይፅዓርና ፀገማትን ሕቶታትትን ኢልና ንኽፈሎም፡ ብኡ መንፅር ድማ ብቐፃልነት ንመርምሮም። ኣብዛ ፅሕፍቲ ኣብ ናይ ነዊሕ ታሪኽ መበገሲ ድሕረ ባይታ እቲ ፀገም ክድህስስ ክፍትን።
- ድሕረ-ባይታ ኣመዓዕብላ (evolution) ምንጪ ፀገማትና፡
ሕበረተሰባት ንምንታይ ናብ ፀገም/ቅልውላው ይኣትው?፣ ኣብቲ ፅገም ወዲቖም ዝተርፉ እንታይ እንትኾኑ እዩ?፣ ካብቲ ፀገም ወፂኦም ናብ ቀፃሊ ብራኸ ዝኸዱ ማሕበረሰባት ከ እንታይ እንታይ ዝገበሩ እዮም ዝብል ብሓፂሩ ምርኣይ ጠቓሚ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ዓሙቕ ምርምራት ካብ ዘካየዱ ሊቃውንቲ፡ Samuel P. Huntington, JOSEPH A. TAINTER, Jared Diamond, Carroll Quigley, Scott A.J. johnson ዝተጠቐምሎም ሞዴላት ተጠቒመ ቅሩብ ክብል።
ሓደ፡ ፀገም ምፅዋር ዝኽእሉ ወይ ከይመፀ ዘትርፉ ጠንካራ ማሕበረሰባት እንታይ እንታይ ዘማልኡ እዮም ዝብል እንትንርኢ፡ 1. ፅኑዕ ምእኹል ውሳነ መውሃቢ ዝሃነፁ 2. ስሩዕ፣ ቅቡልን ጠንካራን ናይ እዚ ሰንሰለት/ተዋረድ ዘለዎም 3.ልዑል ናይ ሓበሬታ ፍሰትን ልውውጥን ዘካይዱ 4. ሞያውን ኢኮኖምያውን ቀፀላታትን ግቡእ መቐላ ዕዮን ዘለውዎም 5. ኩሎም ክፋላትን ዓቕምታትን ማሕበረሰብ ናይ ምውዳድን ምምራሕን ምውፋርን ዓቕሚ ዘለዎም 6. ሃፍትን ፀጋታትን ብኣግባቡ ዝጥቀሙን ዘፍርዩን ዝሕልውን 7. ንለውጢ ቅሩባት ዝኾኑ ኩሉ ግዜ ሓዱሽ ለውጢ ዘተኣታትዉ 8. ርጉእን ስርዓት ዘለዎን ናይ ስልጣን ስግግር ዝገበሩ
ክልተ፡ ዝወድቁ፣ ንሓደጋ ዝቃልዑ፣ ዝመፆም ሓደጋ ዘይምክቱ ወይ ወዲቖም ዝተርፉ ማሕበረሰባት ከ ከመይ ከመይ ዝበሉ እዮም? ወይ እንታይ እንትኾኑ እንተለው እዮም? 1. ምዝባዕ ኩነታት ኣየር፡ ስነ ኸባብያዉን ስነ ምሃዳራዉን ፀገማት እንትህልው 2. ተፃባእቲ ጎረባብትን ናይ ቅልውላው ከባብን 3. ኲናት/ወራር 4. ምሓዙትን ደገፍትን ዘይምህላው 5. ምሒር ትዕቢት/ማሕበረሰባዊ ትዕቢት/Social hubris 6. ድኽመታትካ ዘይምፍላጥን ዕሽሽ ምባልን ንውድቀት ውሕስና እዩ 7. ኩነታት ኣውሃህባ ግብረ-መልሲ ንቶም ፀገማት/ግጉይ ግብረመልሲ ማሕበረሰባት ንቲ ፀገም ወዘተ ዝብሉ ይጥቀሱ።
መልዕሊ እቶም ፀገማት ኣብ ክልተ ኸፊልካ ምርኣይ፡
1. ውሽጣዊ/ባዕላዊ፡ ትካላውነት ዘይምህናፅ፣ ናይ ስልጣን ስግግር ቅልውላው/struggle over succession፣ ምጉጅጃልን ምምቕቃልን/factionalism፣ ፖለቲካዊ ምብስባስ፣ ናይ ኤሊት ምብስባስ ወይ ምክፍፋልን ምንቛርን፣ ንፅረት ሓሳብ ባህግን ራኢን ዘይምህላው፣ ድኹም/ለማስ መሪሕነት(እዙይ ኣውራ ምኽንያት እዩ)፣ ትሑት ምህርቲ መፍረያይነት ዘይምህላው/ዘይምምዕባል ብፍላይ ናይ ሕርሻ መፍረያይነት፣ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት ስርቂ፡ ግዕዝይና፣ ድኽነት፣ ስእነት ፍትሕን ዴሞክራስን ወዘተ ብሓፈሻ internal political and secio-economic disorder …… እዙይ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ኣስኢኑ ንሓደጋ ተቀላዓይነ የሳጥሖም።
2. ደጋዊ ወይ ወድዓዊ፡ ወራርን ኲናትን፣ ድርቕን ጥሜትን፣ ሕማምን ለበዳን፣ ስደትን ምፍንቓልን።
ፀገም እንተጋጥም ግቡእ ግብረ መልሲ ዘይህቡ ማሕበረሰባት እንታይ እንትኾኑ እዩ? 1. ኣቕዲሞም ዘይተንበይዎ እንትኾኑ 2. ከብፅሖ ዝኽእል ጥቕዓት ዘይምርድኦም 3. ክፈትሕዎ ፃዕሪ ከይገበሩ እንትትረፉ 4. ክፈትሕዎ ፈቲኖም ዘይክኣሉ ይተርፉ ዓቅምን ግንዛበን ሕፅረት።
ቀዲምካ ዘይምእማት ምኽንያቱ እንታይ እዩ? 1. ቅድሚኡ ከምኡ ዝበለ ተመኩሮ እንተዘይነይሩካ፥ ንዙይ ድማ ሕሉፍ ታሪኽካ ብደንቢ ካብ ዘይምስናድን ዘይምፍላጥን ዘይምምርማርን ይብገስ 2. ጌጋ ኣመኽንዮ ምሃብ፥ ቀደም ብእትፈልጦ ትሪኦ ግን ኩነታት ዝተለወጠ ይኸውን 3. ብሓበራዊ መሪሕነት ሓበራዊ ውሳነ ምሃብ ዘይምኻኣል፡ እዙይ ድማ ምኽንያቱ ሓደ ውልቃዊ (ዋና ሓላፊ) ውሳነ ምሃብ ዘይምኽኣል፣ ውሽጣዊ ምክፍፋልን ንሕንሕን (ንደረጃን ጥቕምን) ምህላው፣ ውልቃዊ ጥቕምኻ ልዕሊ ረብሓ ህዝብን ዓድን ምቕዳም፣ ውድባዊ/ጉጅላዊ ጥቕሚ ምቕዳም፣ ኣንዊሕኻ ዘይምርኣይ/’ሾርት ሳይተድ’፣ 4. ስነልቦናዊ ‘ዲናያል’ 5. ኣቐዲሞም ፀገም ይመፅእ ኣሎ ዝበሉ ይፅልኡ ከም ሕማቕ ፀገም ፀዋዕቲ ይረኣዩ።
ካብ ቅልውላውን ፀገምን ንምውፃእ ዝጠቕሙ ‘ሞዴላት’ (Diamon ዝተጠቐመሎም) እንትንርኢ ድማ፡ 1. ከም ህዝቢ ኣብቲ ፀገምን ቅልውላውን ምሉእ ግንዛበን ስምምዕነትን ምሓዝ 2. ከም ዓዲ ኩሉ ብሄራዊ ዓቕምኻ ኣዋዲድካ ንቲ ፀገም ክትፈጥሖ ምትእምማንን ምውሳንን 3. ዝተመረፁ ናይ ፖሊሲታት፣ ትካላት፣ ኣወዳድባታት ለውጢ ምግባር 4. ንዋታውን ገንዘባዉን ሓገዝ ካብ ካልኦት ዓድታት ምርካብ 5. ናይ ባዕልኻ ሕሉፍ ታሪኽ ብግቡእ ብምምርማር ካብ ታሪኻ ተሞኩሮኻን ትምህርቲ ምውሳድ 6. ናይ ኻሊእ ዓድን ህዝብን ተሞኩሮ ሞዴል ምውሳድ 7. ምዕምባብን ምድልዳልን ብሄራዊ መንነት 8. ሓቀኛን ቅኑዕን ዓርሰ ነቐፈይታን ዓርሰምርመራን ነፀብራቕን ምግባር 9. ዝብፀሐካ ውድቀት ‘ብሄራዊ ውርደት እዩ’ ኢልካ ምቕባልን ንሕራነኻ ምጥቃምን 10. ምትዕፅፃፍን ውሕሉል ጥበብ ዝተመልኦ ኣካይዳ 11. ብሄራዊ ዓንዲ ኽብርታት 12. ጂኦፖለቲካዊ ማሕለኻታትን ዕንቅፋታትን ምእላይ
ጉዕዞ ዕንክሊል ትግራይን ተጋሩን እንትምርመር/እንትፍተሽ
ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኽ ትግራይ ዘካየደቶም ውግኣትን ዝሓለፈቶም ቅልውላዋትን
“ታሪኽ ሕ/ሰብ ዘንቀሳቕስ ናይ ህዝቢ መንፈስ ሞተርን ሓይልን እዩ።”
ታሪኽ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ፣ ግዜን፣ ተግባርን ዝተፈፀመ ናይ ወደሰብ ሰራሕ እዩ፥ እምበር ታሪኽ ረቀቕ ናይ ተፈጥሮ ክስተት ወይ ሚስጥራዊ ናይ ኣማላኽቲ ተኣምር ኣይኮነን። ብስፍራን ግዜን ዝልካዕ ናይ ደቂ-ሰባት ተግባር እዩ።
ታሪኽ፡ 1. ህልው ኩነታታ ብግቡእ ክንርዳእ ይሕግዘና፥ ሱር መልዓሊ ህልው ኩነታት ክንፈልጥ የኽእለና፣ ዘለናሉ ኩነታት ቅርፂ ዘትሓዙ ባእታትት ወይ ረቛሕታት ካብ ስሮም ክንርዳእ ይገብር፣ ትርጉም እቲ ዘሎ ሕልኽላኻት ክንርዳእ ይሕግዝ። 2. ህሉፍ ክንፈልጥ ይገብረና። ካብ ሕሉፍ ኣገደስቲ ትምህርትን ተሞኩሮን ይህበና፣ ሕብረተሰባት ዝሓለፍዎ ዕዉትን ፍሹልን፡ ልክዕን ጌጋን፡ ተግባራት ብምምርማር ጥበብ ክህልወናን ተደጋጋሚን ተመሳሳልን ስሕተት ከይንፍፅም ይምህረና፥ ካብ ሕሉፍ ተማሂርና ዝበለፅ መፃኢና ክንሃንፅ ይሕግዘና። 3. ሓበራዊ መንነት ክንሃንፅ ይሕግዝ፥ 4. ኣብ ዓለምለኻውን ጉርብትናውን ርክባት ምፍጣር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ወዘተ።
“ሕሉፎም ብኣግባቡ ክርድኡ ዝፅዕሩ፡ መፃኢኦም ክእምቱን ክርድኡን ተኽእሎ ይህልዎም” ይብለና Thucydides ዝተብሃለ ተመራማሪ ታሪኽ (“those who wanted to see the past more clearly so that they could better understand the future.”)
ካብ ባህሪ ወድሰብ ብዝብገስ ቀወምቲ ሕግታት ታሪኽ እዮም ዘለው። ተመሳሰልቲ ምኽንያታት እዮም ተመሳሰልቲ ሳዕቤናት እናስዕቡ ዝቕፅሉ። ምኽንያታት ናይ ሕብረተሰብ ውድቀትን ዓወትን ብዕምቆት ዝመርመረ TAINTER ዝተብሃለ ተመራማሪ “ኩሉ ግዜ ታሪኽ ንባዕሉ እናደገመ እዩ ዝኸድ፡ ሳዕቤኑን ዋጋኡን ግን እናወሰኸ እዩ ዝኸድ፡ ካብ ታሪኽ ዘይምምሃርና ዝብኣሰ ክንከፍል ንግደድ” ይብል። “Every time history repeats itself the price goes up……”
እንውስኖም ውሳነታትን እንወስዶም ስጉምታትን ካብ ሕሉፍ ትውልዲታት ብዝወረስናዮም ዝተፀለው እዮም። ኣብ ባህልና፣ ኣብ ስርዓተ ቑጠባና፣ ኣብ ስነልቦናን ኣብቲ ሓፈሻዊ ህልው ኩነታትና ካብ ታሪኽ ዝተወረሱ ማሕበራዊ ሓይልታት እኒሀው። ንቕድሚት ንምግስጋስን ዝበለፅ መፃኢ ንኽህልውን እዚኦም ምፍላጥ ወሳኒ እይ “The first step toward a better world is …. identifying these forces and distinguishing between the good and the bad” Peter L. Callero
ብዛዕባ ታሪኽን ረብሓ ታሪኽን ብሓፂሩ እዙይ ካብ በልና ሕሉፍ ታሪኽ ትግራይ ምምርማር ብቐንዱ ብዛዕባ መፃኢት ትግራይ ምስራሕ ምኳኑ ንረዳዳእ እሞ እቲ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኽ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ኸፊልና ክንሪኦ፡ 1. ዘበነ ኣኽሱም 2. ካብ ውድቀት ኣኽሱም ክሳብ ምምስራት “ሰሎሞናዊ ስርወ-መንግስቲ” ሽዋ-13 ክ/ዘመን 3. – ክሳብ ዘመነ መሳፍንቲ 4. ካብ ዘመነ መሳፍንቲ ክሳብ 2ይ ወያነን ዘለናሉ ኹነታትን።
ኣብዚ ፅሑፍ እዙይ ብዋናነት ክፍትሾ ዝደለኹ በቢ ምዕራፉ ትግራይ ዝሓለፈቶም ውግኣትን ቅልውላዋትን ኮይኑ፡ 1) መዓስ ነይሩ/ግዜ 2. ትሕዝትኡ፣ ዕላምኡ እንታይ ነይሩ- ዛዕባ/issues 3) ቀጥታዊ መብገሲ እንታይ ነይሩ-Trigger 4) ሱር መበገሲ እንታይ ነይሩ-Root cause 5) እቲ ነባራዊ ኹነታት እንታይ ይመስል ነይሩ – Context 6) ምስ መን ነይሩ ወይ ተዋሳእቲ እንመን ነይሩም -Actors 7) እንታይ ሳዕቤን ነይርዎ -Consequence ወዘተ ዝብሉ ከም መርኣዪ ወይ መተንተኒ ተጠቒመ ኣለኹ።
ኣብ ኩሉ ዳህሳስና ኣብ ግምት ክንእትዎም ዝግበአና ዛዕባታት ዝብሎም ድማ፡ 1. ቐፃልነትን ለውጥን ብፍላይ ስግግር ስልጣንን መንግስትነትን፣ ከተማነትን ምእኩልነትን ዝምልከት 2. ግዝኣት ወይ ናይ መሬት ወሰን ምስፍሕፋሕ፣ ምሕላው፣ ምውሳድ 3. ውሽጣዊ ጎንፂ 4. ከባብያዊ ኩነታት -ተፅዕኖን ኢድ ምትእትትዋን 5. ባዕዳዊ ወራር ወይ ኢድ ምትእትታው 6. እምነት/ሃይማኖት 7. ደጋዊ ርክባት – ዲፕሎማሲ፣ ንግዳዊ፣ ወታደራዊ… 8. ቁጠባ – መፍረያይነት፣ ንግዲ፣ ክፍፍል ስራሕ፣ ድኽነት 9. ሉስሉስ ዓቕምታት -ስነፅሑፍ፣ ስነጥበብ፣ ስነ ህንፅ፣ 10. ተፈጥሮን ኩነታት ኣየርን -ድርቂ፣ ኣንበጣን ባልዓትን፣ ተላባዲ ሕማም፣ 11. ጂኦፖለቲካ -ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣባይ። እዚኦም ኣብ ግምት እናእተና እቶም ወሰንቲ መድረኻት ጉዕዞ ትግራይ ክንሪኦም።
ትግራይ ኣብ ጎንፅን ኲናትን ዝነበረትሎም ግዝያትን ኩነታትን ንድሕሪት ምልስ ኢልና ብፅሟቕ ክንርኢ። ኣብ ናይ ትግራይ ‘ዲስኮርስ’ ክሳብ ሎሚ ታሪኽ ትግራይ ብናይ ትግራይ ረብሓን መፅኢ ዕድልን ተቓንዩ ከምዘይተተንተነን ዘይተመርመረን እግንዘብ። ዘበናዊ ፖለቲካ ትግራይ ብሕታውነት ዝዓብለለ መሪሕነት ካልኣይ ወያነ (ህወሓት) ኩሉ ነገር ብመደብን ብሄር ጎንፅን ርኡ ብቑንፁል ዝደለዮ ካብ ምውሳድ ወፃእ ዕሽሽ ዝበሎ እዩ ኮይኑ ፀኒሑ። እዙይ ምእራም ሓደ ቁልፊ ነጥቢ ይመስለኒ።
- (እቶም ዝወድቁ ሕብረተሰባት ካብ ታሪኾም ዘይምሃሩ እዮም። ብፅሑፍ ሓበራዊ ተዘክረኦም ዘየቐምጡ እዮም፡ “societies understandably failing to anticipate a problem of which they lacked prior experience…. less capacity to preserve detailed memories of events long in the past….) Diamond
ዘበነ ኣኽሱም
እዚ ሐዚ ተጋሩ ዝነብርሉ ዘለው ባይታ ናይ ስልጣነ፣ታሪኽን ቅያን ምድሪ እዩ። እቲ ንስልጣነ ኣኽሱም ዝወለደ ከይደ እንትንሪኦ ኣብዚ ከባቢ ዝነበሩ ኣህዛብ ናብ ሓደ ኣኽሱማዊ መነነት ዘለዎ ስልጣነ ንምምፃእ ዝግበሩ ዝነበሩ ስልጣነ ናይ ምውላድ ቃልሲታት እዮም።
ፑንት-ድኣማት-ኣኽሱም ካብ 2800 ዓ.ዓ ንድሓር
- ምስራሕ ሸክላን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣቕሑት ገዛን ጀሚሮም። ከምኡ ‘ውን እንስሳት ምልማድ ከም ከፍቲ፣ ጤል፣ በጊዕ፣ ኣድጊ፣ ግመል…ወዘተ። ዝራእቲ ከም ስርናይ፣ ስገም፣ ንሁግ፣ ጣፍ፣ ዳጉሻ፣ ባናናን ካልኦት ፍረምረ ምትካልን ምዝራእን። ንግዲ፤ ምሕደራን (መንግስትነት) ከተማን ምምስራት፤ (ምስ ደብብ ዓረብ ኩለመዳያዊ ርክብ ነይሩ ሽዑ)።
- ፑንት (ካብ 2800 ጀሚሩ ምስ ታሕታይ ናይል/ግብፂ ንግዲ ርክብ)። ካብ 2800-1000 ዓ ዓ ኣብ ሞንጎ ፑንትን ጥንታዊት ግብፅን ብንግዲ፣ ብባህሊ፣ ብሃይማኖት ን 1800 ዓመታት ዝዘለቐ ረኽቢ ነይሩ (ኣብ ሄሮግሎፊክስ ይርከብ/ሃፍተማርያም ኣሰፋ፣ ላጲሶ)
- ድኣማት ምስ ደቡብ ዓረብ። ካብ 1000-500 ዓ ዓ ኣብዘሎ ግዜ ይሓ ማእከሉ ዝገበረ ስልታነ ድኣማት ኣብ ደብብ ዓረብ ምስ ዝርከቡ ሚና፣ ሳባ፣ ቀጠባን፣ ሃድራማዊ ምስ ዝብሃሉ ጎሳ ኩለመዳያዊ ርክብ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ብሳብያን ዝተፅሓፈ ንጉስ ለመነ ዝብሃል “ናይ ደኣማታውያን፣ ሳባውያን፣ እብራውያ፣ ናይ ቀያሕትን ፀለምርን ህዝብታት ንጉስ” ኢሉ ንባዕሉ ይገልፅ እሞ ዓዱ ድማ “ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ” ኢሉ ኣስተር፣ ሓበስ፣ አለመቀሐ፣ ደተሀመ፣ ደተበአደአነ ዝብሃሉ ኣማልኽቲ ከምዝነበርዎ ዝገለፀሉ ፅሑፍ እምኒ ኣብ ይሓ ተረኺቡ እዩ። (Harol, Henz, Phillipson, Fatovich)
ክሳብ ሐዚ ብዝተገበሩ ምርምራት ኣብ ሽረ/ማይ ኣድራሻ፣ ጉለመኸዳ/መነበይቲ፣ መዝብር፣ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ኣፅቢ፣ ሓሸንገ/እንዳሞኸኒ፣ ኲሓ፣ ሕንዛት፣ ሰብዓት፣ ይሓ፣ ወዘተ እንዳበለ ማእከሉ እቲ ሐዚ ኣኽሱም ዝኾነ ርኡይ ስልጣነ መስሪቱ። ብዕውት ድማ ተወጊኖም።
ኣብ ዝበነ ስልጣነ ኣኽሱም ዝነበሩ ኲናታት ኮኑ ጎንፂታት ብዋናነት፡ ስልጣነ ንምስፍሕፋሕ፣ ግዝኣት ንምስፋሕን ንምሕላውን፣ ምስ እምነተ-ሃይማኖት ዝተኣሳሰሩ፣ ውሑስ ምንቅስቓስ ንግዲ ብኹሉ ኣንፈት ቀይሕ ባሕሪ ውሕስ ንምግባር ወዘተ ዝካየዱ ዝነበሩ እዮም።
ኣክሱም ኣብ ሞንጎ ተከዘን መረብን ማዕቢሉ ናብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ዓበይቲ ውፍርታት ምስፍሕፋሕ ኣካይዱ።
- ንሰሜን ባሕሪ ተሳጊሩ ክሳብ ደቡብ ዓረብ ተቖፃፂሩ ( 150-270 ዓም እኒ ገደረት ዓበይቲ ውግኣት ኣካይዶም)፣ ድሓር ኢዛናን ካሌብን እውን ብሰፍሒ ቀፂሎም
- ንምዕራብ ክሳብ ከሰላ ሎሚ ፖርት ሱዳን ከይዶም ኣገቢሮም
- ንምብራቕ ክሳብ ኣዋሽ
- ንደቡብ ካሳብ ስሜን፣ ኣገው፣ ኣንጎት
እኒ ዋዜባ፣ ኣድባ ፣ ገደረት፣ ኢዛና፣ ካሌብ ዝገበርዎም ስሪሒታት ተመዚጊቦም ዝርከቡ ካብቶም ጉሉሃት እዮም።
ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኣኽሱማውያን ኣዱሊስ ኣብ ሞንጎ መዲትራንያን ባሕሪን ህንዲ ውቅያኖስን ዓለማዊ ንግዲ ዝውውር ከም ማእኸል መተሓላለፊት ኬላ ማእከል መንሃርያ ኮይና ዓብያ። ፅልዋ ቋንቋ፣ ባህልን ስልጣነን ግሪክ ሰፊሕ ነይሩ ኣብ ኣዱሊስ። ኣዱሊስ ከምኡ ኢላ ናይ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ሜድትራንያንን ኣኽሱምን ዋና መራኸቢት ኮይና ቐፂላ። ኣብቲ እዋን ኑብያ-መሮዌን ከባብታት ደቡብ ዓረብን እናተዳኸማ ኸይደን ፐርሽያ፣ ሮማን ኣኽሱምን እንዳበርትዓ ኸዳ።
ብኻሊእ ገፅ ኣብቲ እዋን ኣብ ሞንጎ ቀይሕ ባሕርን ግብፅን ረበሽቲ ናይ ቤጃ ዘላን ማሕበረሰብ፣ ብኻሊእ ገፅ ብደቡብ ዓረብን ብቐይሕ ባሕርን ብ ገማግም ውሽመጥ አደን ኣብዘለው ምንቅስቓስ ንግዲ መስመራት ናይ ዓረብ፣ በርበራን ትሮጂሎዳውያንን ሸፋቱን ዘረፍትን ንዓለመለኻውን ኣህግራውን ንግዲ መሰመራት አሽያ፣ ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓ ዓብዪ ፅገም ዝፈጥሩ ሓይልታት ኮኑ።
ይኹን እምበር ናይ ኣኽሱም መንግስቲ ንዞም ሓይልታት እዚኦም ብተኸታተልቲ ውግኣት ብምድምሳስን ኣደብ ክሕዙ ብምግባርን ኣብ መስመር ተፋሰስ ኣባይ፣ ኣብ ቀይሕ ባህርን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ዓለምለኻዊ ስርዓት ንግድን ምንቅስቓስን ጂኦፖለቲካዊ ውሕስና ክህብ ዝክእል ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ምዃኑ ኣረጋገፀ።
እዚ ኹነታት እዙይ ኣብ ሞንጎ ሮማን ኣኽሱምን ድልዱል ጂኦፖለቲካዊ ስምምዕነት ንኽፍጠር ዓብዪ ምኽንያት ነይሩ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ሞንጎ ሮማውያንን ፋርስያውንን/ፐርሽያ ናይ ንግድን ሓይሊ ሚዛንን ፍሕፍሕ እናተርኣየ ዓብዪ ጎንፂ እናማዕበለ ኸይዱ
ብ 9 ዓም ባዜን ኣብ ኑብያን ደቡብ ዓረብን ግዝኣት መስሪቱ። 130-225 ዓም ኣብ ዘሎ ኣኽሱማውያን እኒ ገደረት፣ ዋዜባ፣ ኣድባ ኣብ ደቡብ ዓረብያ ዓበይቲ ውግኣት ገይሮም ግዝኣቶም ኣስፋፍሒሞን ኣደላዲሎምን። ብ 183 ዓም ዝተፅሓፈ ኢንስክሪፕሽን ኣብ ዓዲ ዓረብ/ማሪብ ከተማ ዝተረኸበ ፅሑፍ ብግእዝ ናይ ‘ሓበሽን’ ‘ኣኽሱምን’ ንጉሳት ይብል።
ካብ 175-225 ዓም ኣብ ዓረብ ነንባዕሎም ናይ ስልጣንን ግዝኣትን ተነሓናሕቲ ዝኾኑ ሃምዳና፣ ሳባ፣ ሂምያሪት፣ ቀጠባን፣ ሃድራማዊ ዝብሃሉ ሓንሳብ ምስ እኒ ገደረት ዝተሓባበሩ ሓደ ሓደ ግዜ ዝዋግኡ ንእሽተያት መንግስቲታት መሰልን ሸፋቱን ነይሮም።
ድሕሪ 225 ዓም ናይ ሂሚያሪት-ሳባ ሓበራዊ መንግስቲ ዓረባዊ ሓይሊ መስሪቶም። ሽዑ ብሰሜን ምዕራብ ካብ ጂሃዝ፣ ኣሲር፣ ቲሃማት፥ ብ ደቡብ ምብራቕ ክሳብ ኤደን ናይ ሂጃዝ-የመን ወሰን ብምቁፅፃር ን ሓደ ሚኢቲ ዓመት ዝኾን ናይ ደቡብ ዓረብያ ዋና ሓይሊ ንምዃን ክኢሎም ነይሮም።
ኣብዚ እዋን እዙይ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪካ ናይ ኣባይ ተፋሰስ፣ ቀይሕ ባሕርን ናይ ዓረብያ ጎረባብቲ ዓድታትን ዋና ገዛኢ ሓይሊ ዝኾነ ናይ ኣኽሱም ንጉስ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ዓበይቲ ውግኣት ብምክያድ ገዚፍ ሓይሊ ኾይኑ ዓለማዊ ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ንንግስንኡ መዘከርታ ኣብ ዘስርሖ ሓውልቲ ፅሑፍ እምኒ ዝተረኸበ ‘ኢንስክሪፕሽን’ የረድእ።
- ቀዳማይ ወፍሪ፡ ኣብ ዙርያ ኣክሱም ብዋናነት ኣብዚ ናይ ሎሚ ትግራይ ዝርከቡ (ግእዝ፣ ኣጋመ፣ ስግዮ፣ ኣደዋ፣ ቲኣሞ፣ ገምበላ፣ ዘንጋብነ፣ ኣግበ፣ ትአማ፣ ኣገው/ኣታገው፣ ሰሜን፣ ከለ/ኣከለ ዝብሎም ህዝብታት ናብ ግዝኣቱ ኣእትዩ።
- ካልኣይ ወፍሪ፡ ንምዕራብ ኣንፈት ብተከዘ/ኣትባራ፣ ኑብያ፣ መሮዌ ክሳብ ግብፂ ብዘሎ( ለዘነ፣ ዘአ፣ ገበለ፣ አተለመ፣ ቤጃ፣ ተንገነተ/ታካ ዝብሎም ሽድሽተ ዓድታት/ማሕበረሰባት ናብ ግዝኣቱ ኣእትዩ ኣብ ላዕለዋይ ኣባይ ክሳብ ግብፂ ጫፍ ዘሎ ከምዝሓዘ ይገልፅ።
- ሳላሳይ ወፍሪ፡ ካብ ትግራይ ንደብብ ምብራቕ ኣንፈት ዘሎ ካብ ኣዋሽ ክሳብ ወሰን ቀይሕ ባሕሪ ገማግም አደን ዘሎ ቆላ ቦታት፥ ብናይ ዕጣን ንግዲ ዝፍለጥ ምድረ ትሮጅሎዳውያንን በርበራውያንን ( አነን፣ ምጣን፣ ሰለአ፣ ሮሳይ፣ ሶላቴ ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ናይ ቆላ ማሕበረሰባት ከምዘገበረ።
- ራብዓይ ወፍሪ፡ ንሰሜን ገፅ ኮይኑ ቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሩ ኣብ ዓረብያ ነዊሕ ምዕራባዊ ወሰን ብሰሜን ምዕራብ ዝርከቡ ሂጃዝ-ኣሲር ዝብሃሉ ናይ ሮማ ግዝኣት ካብ ዝነበረ ለከኣኦመ ወደብ ጀሚሩ ክሳብ ደቡብ ምብራቕ ዓረብ ሳባ፣ ሂሚያሪት ሒዙ ንባበልመንደብ ከባቢ ወፍሪ ገይሩ ብ ሂጃዝ-ኣሲር ጠረፍ ‘ናይዶኮልፕተ’ ብ ሂሚያሪት ጠረፍ ‘ኣራብተ’ ዝብሃሉ ክልተ ስትራተጂያዊ ዓድታት ኣብ ግዝኣቱ ኣእትዩ። ቅድሚኡ እኒ ገደረት ሒዞሞ ዝነበሩ ብምልኡ ‘ውን ኣጠቓሊሉ ሒዙ።
ድሓር ብ 32-344 ዝነበረ ኢዛናን፣ ብ 493-534 ዝነበረ ካሌብን ድማ ንዚ ምንቅስቓስ ፍሓትን ዕምቆትን ወሲኾም ሃይማኖት ክርስትና እውን ወሲኾም ኣኽሱም ብኢኮኖሚ፣ ብፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲ፣ ብባህሊ፣ ብሃይሞኖት፣ ብሓይሊ/ውግእ፣ ወዘተ ኣዝዩ ዓብዪ ዓለማዊ ሓይሊ ገይረምዎ።
ብ 330 ክርስትና መንግስታዊ ሃይማኖት ኮይኑ። ብ 490 ከባበቢ ትሽዓተ ‘ቅዱሳት’ ኣትዮም። ገዳምን ሙንኩስናን ኣተኣታትዮም፣ መፅሓፍ ቅዱስ ካብ ግሪክ ናብ ግእዝ ተርጉሞም፣ ኦሪትን ክርስትናን ፍልልይ ጀሚሩ፣ ‘ቢተ-ኢስራኤል’ ንስሜን ከይዶም – ፈላሻ፣ ኣይሁድ ወዘተ ተባሂሎም
ብ 517 ኣብ ዓረብ ዝነበሩ አይሁዳውያን ብመርሒነት ማዝሩቕ ዙኑዋስ ኣብ ልዕሊ ኣክሱማዋያን-ዓረብን ሮማውያን ክርስትያንን ወፍሪ ጥፍኣት ከፈቱ።
ብ 517ን ብ 525 ዓም ንጉስ ካሌብ ተኸታተልቲ ክልተ ወፍርታት ብምክያድ ዓመፅቲ ኣይሁዳውያን ደምሲሱ ኣብ የመን ናይ ኣክሹም መንግስቲ ምምሕዳር መስሪቱ። እዚ ምምሕዳር ክሳብ 577 ዓም ፀኒሑ።
ካብ 517-525 ኣብ ዘሎ ብዙሓት ማሕበረሰባት ዓረብ ዙማፋ ኣሽዋን ዝተብሃሉ ናይ ሂሚያሪት ገዛኢ ሓዊሱ ናብ ኣኽሱም ተሰዲዶም እዮም።
ካብ 115 ዓም ጀሚሩ ኣይሁዳውያን ፈሊሶም ኣብ የመን ከምዝሰፈሩ መረዳእታ ኣሎ።
ካብ 529-531 ዓም ሮማውያንን ፋርሳውያንን ተዋጊኦም ፋርስያውያን ስዒሮም። ሽዑ ናይ ሮማ መንግስቲ ቁስጥንጥንያ ብ 531ን ብ 533 ዓም ክልተ ግዜ ዩልያንን ኖኖሱስን ዝተብሃሉ ኣምባሳደራት ናብ ኣኽሱም ናብ ካሌብ ልኣኸ ላኣኸ(ብኢዛና ግዜ እውን ከምጹ ነይሩ እዩ)።
ብ 525-535 ኣብ ዘሎ ካሌብ ን ሱማፋ ኣሽዋን ኣባሊጊኡ ኾይኑ ኣጠሚቑ ናይ ዓረብ ኣማሓዳሪ ገይሩ ሸይምዎ። ኣብ ጎኒ እዚ ንጉስ ድማ ኣብራሃ ብዝብሃል መራሒ ዝምራሕ ሰራዊት ኣክሱም ኣብ የመን ኣቐመጠ።
ብ 535 ኣብርሃ ን ሱማፋን ኣሽዋን ‘ኩዴታ ገይሩ ንባዕሉ “ ናይ ሳባ፣ ዲሁረይዳን፣ ሃደራማዊ፣ የመን ቲሃማት፣ ናይ ደጉዓን ቆላን ኣዕራብ ንጉስ ኣብርሃ ናይ ብሄረ ግእዝ ተወላዲ” ኢሉ ካብ 535-558 ዓም ነገሰ።
ኣብርሃ ሽዑ ከተማ ሰንዓ ሃነፀ። ናይ ሰንዓ ካቴድራል ሓዊሱ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ የመን ሃነፀ። ብ 543 ዓም ማሪብ እዚ ገደረት ገዲቦሞ ዝነበሩ ኣሕዲሱ ዓብዪ ግድብ ገበሮ። ናብ መካ ‘ውን ወፊሩ። ናይ ሰሜንን ምዕራብን ኣዕራብ ምስ ደቡብ ኣዕራብ ብሓደ ሓዊሱ ሓደ ጠንካራ ዓረባዊ ሃገር ንምምስራት ድማ ምስ ፐርሽያን ባዛንታይንን ብዙሕ ውግኣት ኣካየደ።
ብ 547 ዓም ኣብ መካ ዝርከብ ናይ ኣብርሃምን እስማዒልን መቅደስ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ከዕባ ጥንታዊ መቕደስ ከፍርስን ሓደ ክርስትያናዊ መንግስቲ ዓረብ ክምስርትን ሓሲቡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰራዊ ዝሓዘ ብሓራምዝ ዝጎዓዝ ቀረባት ሂዙ ገስገሰ እሞ ኣብ ሞንጎ ሕማም ፍንጣጣ መፂኡ ከይኮነሉ ተኾለፈ።
ንጉስ ኣብርሃ ብ558 ሞይቱ። ኣብርሃ ምስ ሞተ ኣኽሱማይ ነጊሱ ንሱ ምሞተ ሓው ማዝሩቕ ነጊሱ፥ ሽዑ ሓዎም ሰይፉ ወዲ ኣብርሃ ከምዘይኮነን ኣብኡ ብኣብርሃ ተሳዒሩ ከምዝሞተን ኣዲኡ ትነግሮ። ሽዑ ሰይፉ ንፋርሳውያን ሒዙ ንማዝሩቕ ይገጥሞ እሞ ማዝሩቅ ይስዓር።
ሽዑ ፋርሳውያን ስዒሮም ደቡብ ዓረብያ ተቖፃጸሩ። ክሳብ 630 የመን ሓደ ግዝኣት ኣውራጃ ፋርሳውያን ኮነ። ኣብቲ እዋን ፋርሳውያን ኣብ ዓለመለኻዊ መስመር ንግዲ ህንዲ ውቅያኖስን ቀይሕ ባሕርን ማዕቐብ ገበሩ። ሽዑ ናይ ደቡብ ዓረብያ ነባር ናይ ንግዲ፣ ፖለቲካን ማሕበራዊ ኩነታትን ፈራረሰ። ድሕሪኡ መካ ብፍጥነት ዓበየት። መሓመድ ኣብዚ ኹነታት ተፈጥረ።
ብ 703 ዓም መራሕቲ ኣስላም ዓረባት ንዳህላክ ተቖፃጺሮም መዳጎኒ እሱራቶም ገበርዋ። እዙይ እዝይ ዓብዪ ሓዱስ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ጂኦፖለቲካዊ ለውጢ ኣምፅአ። ቀፂሉ ብ 831 ዓም ኣብ ሞንጎ ናይ ቤጃ ናቕስ ከባቢ መንግስትን ናይ ግብፂ እስላማዊ/ዓረባዊ መንግስትን ብዝተፈጠረ ናይ ንግድን ምሕዝነትን ስምምዕነት መሰረት ደሴት ዳህላክ ምስ ምፅዋዕ ሓዊሱ ኣብ ግዝኣቶም ኣእተውዎ። ብ 1173 ዓም ዳህላክን ኩሎም ገማግም የመንን ኣብ ትሕቲ ግብፂ ወዲቖም። ኣብ 872 ኣኽሱም ኣብ ኣንጎት ከባቢ ኩቡር ዝብሃል ከተማ ነይርዎ።
ኣክሱማውያን ምስ ቻይናን ህንድን ፅቡቕ ንግዲ ርክብ ነይርዎም። “Red-Seamerchants are also known to have been present in India, coming into direct contact with Chinese there3.
ኣኽሱም ብሓፈሻ 1. ፅቡቕ ንግዳዊ ርክብ ምስ ሮማ፣ ቻይና፣ ህንዲ፣ ፐርሽያ/ፋርስ ዝነበሮ 2. ብፖለቲካን ዲፕሎማስን ወታደራውን ዓበይቲ ፅልዋታትን ርክባትን ምትሕግጋዝን 3. ብቐፃልነት ግዝኣት ዘስፍሕን ዘውሕስን 4. ስነፅሑፍ ስነ ህንፅ ስነጥበብ ዓብዪ ጠመተ ዝህብ ዘማዕበለ 5. ንዘመናት ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ብስርዓት ዘካይድ 6. ማእኸሉ/ከተምኡ ፍሉጥ ኣብ ኣኽሱም 7. ውሽጡ ኣረጋግኡ ንደገ ዝፀሉ፣ ማንም ኢዱ ከእቱ ዕድል ዘይህብ 8. ዓበይቲ ምህዞታት ዘተኣታተወ እዩ።
- ውድቀት ኣኽሱም
ሓፈሻዊ ናይ ሓደ ሕብረተሰ ወይ ስልጣነ ውድቀት ምኽንያታት ልዕል ኢለ ገሊፀ እየ
ካብዚ ብምብጋስ ናይ ኣኽሱም ውድቀት ምኽንያታት ተባሂሎም ዝግለፁ፡
- ዋና ናይ ኢኮኖሚን ሓፈሻዊ ዓቕሙን ፍልፍል ዝኾነ ንግዲ ርክባት ምቁራፅ፥ ወታደራዊ ሓይሉ ናብ ቡዙሕ ቦታት ምልጣጥ፥ ምስዚ ተኣሳሲሩ ብዙሓት ተኸታተልቲ ውግኣት ምክያድ፥ ምጥልላም፡ ኣብነት ኣብርሃ፥ ናይ ስግግር ስልታን ቅልውላው፡ ኣብነድሕሪ ኣብርሃ ዝነበር፣ ኣብ መፅሓፍ ኣሰፋ መዝገቦ ዝተጠቐሰ ናይ ግብፂ ተንኮል፥ ሃይማኖት፡ እኒ ካሌብ፣ ገብረመስቀል ናብ ሙንኩስናንን ገዳምን ኣትዮም። ገብረመስቀል ንወዲ ሙሴ ብቖልዕዑ ኣትሒዙ ክሙንኩስ ገይርዎ፥ ብስብከት ሃይማኖት ክርስትናን ኣይሁድ/ኦሪትን ተባሂሉ ተፈላልዩ ብዙሕ ኲናት ተኻይዱ። ድሓር እውን እቶም ብኒ ኢዛናን ካሌብን ዝተወቕዑን ዝተሰጎጉን ኦሪት/ኣይሁድ ዝተብሃሉ ኣብ ኣኽሱም ተበቂሎም፥ ፅጋብ ጎይላን ሕልፊ ምዝንናይን። ኣብነት ኣብ ዘበነ ገብረመስቀል ብጣዕሚ ገዲዱ ምንባሩ እሞ ገብረመስቀል ምስ ሞንኮሰ ንያሬድ ደፍታት ናብ ዝማሬን ሃይማኖትን ክቕየር ከምዝገበሮ፥ ምስ ጎረባቢቲ ኣብ ቀፃሊ ጎንፂ ምእታው። ኣብነት ምስ ቤጃ፣ ኣገው፣ ስሜን፣ ኣዕራብ፣ ፋርሳውያን፣ ኣይሁድ፣ ወዘተ
- መወዳእትኡ ጉዱት መፂኣ። ድሓር ናብ ኣገው ተዛዊሩ። ድሕሪኣኡ ሽዋ፡ ይኩኖ ኣምላክ መፂኡ። ቀፂሉ ናብ ጎንደር፣ ሽዋ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ዕንክሊል ምስቲ ስልጣነን ውድቀትን ብምትእስሳር ክፍተሽ ኣለዎ። ኣብ መወዳእትኡ፡ finally moved the Ethiopian political center of gravity from Tigray southward to Wag and Lasta.(henz)
ድህሪ ውድቀት ኣኽሱም ተጋሩ፣ ላስታ(ኣገው)፣ ኣምሓራ (እቲ ኣምሓራ ድሓር ኣብ ከባቢ ዋድላ፣ ሳይንት፣ ቤገምድር ከባብታት ዝተፈጠረ (ካብ 9ይ ክሳብ 13 ክ/ዘመን ኣብዘሎ ብኸይዲ ዝተፈጥረ እዩ) ዝብሃሉ ስለስተ ማሕበረሰባት ካብ ካሊእ ኣብዚ ከባቢ ዝነበሩ ማሕበረሰባት ሕይል ዝበሉን ተነሓናሕትን ኮኑ።
ካብ ውድቀት ኣኽሱም ክሳብ ምምስራት ‘ሰሎሞናዊ ስርወ-መንግስቲ’
ካብ 7ይ-13 ክ/ዘመን ዘሎ ብዋናነት ናይ ፀልማት ዘመን ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ። እዙይ ዝብሃል ሰነድን መረዳእታን እውን ዘይርከበሉ እዩ። ብዙሓት ድሓር መፂኦም ንድሕረት ተመሊሶም ዝተፈብረኹ ፅውፅዋት ኣለው፡ እተን ከም ጭቡጥ መረዳእታ ዝውሰዳ ግን ሰለስተ ምንጭታት እየን። 1. ኣብ 870ታት ሓደ ሃፃኒ ዳኒኤል ዝብሃል ወታደራዊ ኣዛዝን ናይ ሓደ ከባቢ ኣመሓዳርን ኣብ ኣኽሱም ብግእዝ ዝፀሓፋ ‘ኢንስክሪፕሽን’/ፅሑፍ እምኒ እያ፡ “ኣነ ሃፃኒ ዳኒኤል ናይ ኣኽሱም ንጉስ [ሽም ኣይጠቐሰን] ሰነፍ ኮይኑ ንታ ቅድስቲ ኣኽሱም ብፀላእቲ ማለት ብ ሻንቅላ፣ ቤጃ፣ እምነት ዘይብሎም ኣህዛብ ስለዘድፈራ ንዕኡ ኣውሪደ ንቶም ወረርቲ ደምሲሰ ኣባሪረ ዓደይ ኣኽቢረ ኣለኹ” ይብል። ድሕሪ እዙይ ካብ ውሽጥና/ባዕልና ዝተረኸበ ሰነድ/መረዳእታ የለን። 2. ኣብ 10ይን 11ድን ክፍለዘመን ካብ ዓረብ ዝመፁ ሰለስተ ልኡኻት ዝፀሓፍዎ እዩ። 3. ኣብዚ እዋን ካብ ግብፂ ዝመፁ ጳጳስ ዝፀሓፍዋ እያ።
ብሓፈሻ እዚ እዋን ምሉእ ስእሊ ንምሓዝ ዘፀግም ናይ ፀልማት እዋን እዩ። ብናይ ኣምሓራ ፀሓፍቲ ብዙሓት ፅፅዋያት ይብሃሉ እዮም። ኣብ ናትና ስነቓል ‘ውን ኣብቲ እዋን ዮዲት/ጉዲት ትብሃል ከምዝነበረትን ንኣኽሱም ከምዘባደመትን ይዝረብ እዩ። ናይ ኣገው ነገስታት ዝምልከት እውን ብዙሕ ይዝረብ እዩ ግን እታ ቅርሲ ናይ ላሊቤላ ቤተክርስታይንን ካልኦት ገዳማትን እንተዘይኮኖም ዝነበሩ ውስስኣት ዘርኢ እዙይ ዝብሃል ጭብጢ የለን።
ምምስራት ‘ሰሎሞናዊ ስርወ-መንግስቲ ክሳብ ዘመነ መሳፍንቲ
ኣብዚ እዋን ካብዚ ዝነበራ ፍፃመታት ንሐዚ ኣብ ግምት ክንእትወን ወይ ክንፍትሸን ዝግበአና ጉዳያት፡ 1. ተቓውሞ ትግራይ ንእኒ ይኩኖ ኣምላክ 2. ውራር ዓምደፅዮን ንትግራይ፡ ዝተኻየደ ውግኣት 3. ምንቅስቓስ እዎስታቲዎሳውያን 4. ምንቅስቓስ እስቲፋኖሳውያን 5. ውራር ግራኝ 6. ወራራት ቱርኪ 7. ምትእትታው ካቶሊክን ዘስዕቦ ናዕብን ኲናትን 8. ኣብ ሞንጎ መኳንንቲ ትግራይ ዝነበረ ምክፍፋላት 9. ድርቅን ተላባዲ ሕማምን ወዘተ
ብሓፈሻ እዚ ግዜ፡
- ትግራዋይነት ወይ ንሕና ተጋሩ ኢና ዝብል ንሕናን ንሶምን ዝብል ማለት ንሕና ተጋሩ ንሶም ድማ ካልኦት ብፍላይ ኣምሓራን ኣገውን ዝብል ምፍልላይ ዝጀመረሉ እዩ።
- ኣምሓራይነት ክጥጥዐሉ ዝጀመረ እዩ።
- ሰሎሞናዊ ዝብል ፅውፅዋይ መፂኡ፡ ሴማዊ ፣ ክርስትያን፣ ሰሎሞናዊ፣ ግእዝ ድሕሪ ዓመታት ድማ ኣምሓርኛ፣ ወረስቲ ኣኽሱማውያን ወዘተ ዝብሉ ተረኻት ተፈጢሮም።
- ኣብ መወዳእታ 13 ክ/ዘመን ከባቢ እቶም ተጋሩን ኣምሓራን ብሓባር ብምዃን ብዚ ተረኽ እዚ ንቶም ኣገው ‘ወረስቲ ኣኽሱም ኣይኮንኩምን ንግስነት ኣይግብኦኩምን’ ብዝብል ስልጣኖም መንጢሎሞም።
- ኣብ ሃይቅ ከባቢ ዝነበሩ እኒ ይኩኖኣምላክን ተክለሃይማኖትን ዝብሃሉ ሰባት ‘ንሕና ኢና ቀጥታ ወረስቲ ንግስነት ኣኽሱም ብዝብል ተክለሃይማኖት ንይኩኖ ኣምላክ ምስ ኣንገሱ እቶም ተጋሩ ተቃዊሞም። ካብዚ እዋን ንድሓር ዘሎ ግዜ ኹሉ ኣብ ሞንጎ እዚ ዝተመስረተ ሰሎሞናዊ (ኢትዮጵያውነት/ኣምሓራነት) ን ትግራይን ዘየቋርፅ ጎንፂ ኣሎ።
- ኣብዚ እዋን እቶም ሰሎሞናውያን ኢና ዝበሉ ብሓደ ገፅ ምስ ግብፅን የመንን ርክብን ምትሕግጋዝን እንተገብሩ፡ ብኻሊእ ገፅ ድማ ንደቡብ ገፅ ዝነበሩ ኣህዛብ እንተሰልፉ እቶም ናይ ትግራይ ግን ዝፈጠርዎ ዝምድናታት ኣይነበረን።
“ኣብ 13 ክ/ዘ ይኩኖ ኣምላክ እንትነግስ ተጋሩ ዓብዪ ሓገዝ ገይረሙሉ። ይኩኖ ኣምላክ ኣብ ዋግ ተወሊዱ፡ ኣብ ትግራይ ዓብዩ። ብ 1241 ዓም ናብ ደብረዳሞ ገዳም ከይዱ ኣብ ደብረዳሞ ተማሂሩ። ኣርባዕተ ናይ ወንጌል መፃሕፍቲ ሒዙ ከይዱ።1248 ን ሃይቅ ተመሊሱ። ፅቡቕ ክርስትያን መመሃራን ክኾኑ ኢሎም ምስ ተኽለሃይማኖት ገይሮም ኣምህሩ ኢሎም ሰደሞም። ካህናትን ሰራዊትን ሂቦሞ። ተጋሩ ንይኩኖ ኣምላክ ዝሓገዝሉ ምኽንያታት፡ 1. ክርስትያን 2. ናይ ኣኽሱም ትውልድን ያታን ወራሲ ኣየ ምባሉ 3. ሴማዊ/ሴሜቲክ/ 4. ሰለምናዊ ዘርእን ንግስና ዝግብኦን ዝብል ሽዑ ዝተፈጠረ ሓዱሽ ስርዓተ-መንግስታዊ ፅውፅዋይ ምዃኑ ወዘተ እዩ። ይኩኖ ኣምላክ ብኸምዚ ናይ ተጋሩ ሓገዝ መንግስትነቱ ምስ ኣደልደለ፡ ሓደ ኣብ ከባቢኡን ንደቡብ ገፅን ምስ ዝነበሩ ማሕበረሰባት ብሓይልን ብስብከትን ደገፍቱ ብምግባር ጠንኪሩ። ካልኣይ ብ 1273 ምስ ግብፂ ርክብ ገይሩ፣ ምስ የመን ውን ደብዳበ ተፅሓሑፉ። ገዚፍ ናይ ወፃኢ ሓገዛት ክረክብ ክኢሉ እዩ። ይኩኖ ኣምላክ ምስ ሰበ ስልጣናት ግብፂ ብምትሕብባሩ ካብኣቶም እኹል ድጋፍ እንትረክብ እዞም ዝስዕቡ ስምምዕነታት ብምፍርራም እዩ። 1. ብቲ ዝጣየሽ ዘሎ ‘ሰለሞናዊ ስርወ መንግስቲ’ ሕጊ መሰረት ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ሓላፍነትን ትምህርትን ብግብፃውያን ንዘለኣለሙ ክምራሕ 2. ካብቲ ንጉስ ቀፂሎም ዝለዓለ ስልጣን ዝህልዎም እቶም ዝሽየሙ ጳጳሳትን ካህናትን ክኾኑ 3. ሲሶ መሬት ንታ ቤተ ክርስትያን ክኾን …. ተስማሚዕም።”
ድሓር ድሓር ንቶም ተጋሩ ከጓንዮም ጀሚሩ። እቶም ተጋሩ ድማ ክዕምፁ ጀሚሮም። ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም እንትንሪኢ ኣብ መወዳእታ 13 ክ/መን ፣ ኣብ 14ን15 ክ/ዘመን ዝነበሩ ምስ ኣብ ሽዋ ዝምስረት ዝነበረ ‘ሰሎሞናዊ ስርወንግስነት’ ዝካየድ ዝነበረ ጎንፂን ውግኣትን ኮይኑ ትሕዝትኡ “እቲ ንግስነት ማእኸሉ ኣብዙይ ኣብ ትግራይ እዩ፡ ኣይተጭበርብሩ” ዝብልን ናይ ርእሰ ምሕደራ(selfditermination/Autonomy) ዛዕባ/ሕቶ ትሕዝቶ ዝነበሮን እዩ። እኒ ተስፋነ እግዚ፣ የዕቢኻ እግዚን እንግዳ እግዝን ዝብሃሉ መራሕቲ ትግራይ ምስ እኒ ዓምደፅዮን ዘካይድዎ ደማዊ ውግኣት ኣብዙይ ተጠቃሲ እዩ። ብዙሕ መዛግብቲ ታሪኽ ውን ሰኒዶሞ ዝርከብ እዩ።
- ተቓውሞ ንይኩኖ-ኣምላክ (ፈላማይ ኲናት/እምብተይነት ትግራይ)፡ ተስፋነ እግዚ ዝብሃል ገዛኢ ትግራይ ን ይኩኖ ኣምላክ፡ ሓደ፡ መጭበርበርን ሸፋጥን ኢዩ ኢሉ። ካልኣይ፡ ብስሩ ንግስነት ብቐጥታ ንተጋሩ እዩ ዝግባእ ማእኸሉ ድማ ኣክሱም ይኹን። ሳልሳይ፡ ኣይምልከቶን ከምሰብ ኢሉ ኩናት ከፊቱ። “ብ1277 ዓም ይኩኖ ኣምላክ ናብ ሱልጣን ባይብረስ (ግብፂ/ካይሮ) ኣምባሳደር ምስ ብዙሕ ውህብቶ/ኣንበሳ ሓዊሱ/ ይልእኽ እሞ ኣብ ካባቢ ሰሓርቲ ዝነበረ ኣምሓዳሪ ትግራይ ከቲሩ የሕድጎ። ይኩኖ ኣምላክ ድሕር ኢሉ ንሽዋ ገፅ ሃዲሙ ካብ ሽዑ ትግራይ ዳርጋ ዓርሳ ዝኻኣለት ግዝኣት ኮይና። ካብ ተስፋነ እግዚ እውን ናብ የዕቢኻ እግዚ (1318 ዓም) ተሰጋጊሩ ንትግራይ ካብ ደንከል ክሳብ ከሰላ፣ ካብ ሓማሴን ክሳብ ሰቖጣ/ስሜን የምሓደር ምፅንሑ ሰነድ ኣሎ። ን ይኩኖ ኣምላክ ተኪኦም ዝነገሱ ብፍላይ ዓምደፅዮን ክሳብ ዝመፅእ ብዙሕ ዝደልደሉን ዝተረጋግኡን ኣይነበሩን። ይኩኖ ኣምላክ ብ 1285 ዓም ምስ ሞተ ያግብኣ ፅዮን ተኪኣኡ ክሳብ 1294 ፀኒሑ። ሽዑ ናይ ምትኽኻእ ቅልውላው ገጢሙ በቢ ሓንቲ ሓንቲ ዓመት እናተቐያየሩ ባሕረ ኣሰግድ፣ ሕዝበ ኣሰግድ፣ ፅንፈ ኣርእድ፣ ቅድመ ኣሰግድ ዝብሃሉ ክመርሑ ፀኒሖም። ቅሩብ ሕይሽ ዝበለ ዣን ኣሰግድ ዝብሃል ካብ 1294-1299, ድሕሪኡ ውድም ራእድ ዝብሃል ካብ 1299-1314 ምስ ገዝኡ ዓምደፅዮን መፂኡ። ኣብ ሞንጎ እዙይ እቶም ናይ ትግራይ ገዛእቲ ኣብ ህዝቦም ተቐባልነት ረኺቦም ድልዱል ግዝኣት እናሃነፁ ፀኒሖም፥ እቶም ኣብ ቅልቅውላው ዝነበሩ ናይ ኣምሓራር ገዛእቲ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ወፅእ ካሊኣ ኣይበልዎምን። ብ 1305 ዓም ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ተስፋነ እግዚ ዝብሃል ‘ኣይትመፁኑን’ ብምባል ንግዝኣቱ “My Kingdom” ይብሎ ነይሩ። ያግብኣ ፅዮንን ውድም ኣርእድን ድማ ከም ንጉሳት ኣፍልጦ ሃበና ካብ ምባል ዝዘለለ ምንም ኣይበሉን።
- ወራር ዓምደፅዮን
2.1. ፈላማይ ወራር ዓምደፅዮንን መኸተ ትግራይን ፡ ካብ 1314-1344 ዓም ዝነበረ ዓምደፅዮን ተደጋጋሚ ወራር ንትግራይ ኣካይዱ እዩ። “ዓምደፅዮን መጀመርታ ኣብ ውሽጡን ከባብኡን ንዝነበሩ እስልምና ኣምንቲን ሃይማኖት ዘይብሎም ዝበሎምን ህዝብታት ብምስዓር ከምኡ እውን ካብ ግብፂ ሓገዝ ብምርካብ መንግድስትነቱ ብዝግባእ ምስ ኣጠናኸረ ናብ ተግራይ ክወርር ወፈረ። ንሓድነት ክርስትያናዊ መንግስተይ ሓደጋ እዩ ብዝብል ወፊሩ። ዓምደፅዮን ፈለማ ናይ ንግዲ መስመራት (እኒ ዘይላ) ተቖፅፂሩ፣ ማእከላይ ምብራቕ ክሳብ ዒራቕ ርክብ ንግዲ ገይሩ፣ ሃፋትም ንዝኾኑ ኢ-ኣመንቲ ህዝብታት ዳሞት፣ ጎጃም፣ ን ሃድያ ሒዙ ክሳብ ግቤን ኦሞን ተቖፃጺሩ…. ካብኡ ብምጋስ ዝተፈላልዩ ባርያ፣ ሓሻኽርን ምሩኻትን ወታደራት ኣጣይሹ፥ ጭዋ ዝብሃል ዓይነት ውትድርና እውን ኣጣይሹ/ጀሚሩ። ኣብ ሽዋ ንዝነበሩ ይፋት ምስ ሰዓረ ድሕሪኣኡ ንቶም ዝተረፉ ዝተበተኑ እስላማት ብቐሊሉ ስዒርዎም እዩ። ድሕሪ እዙይ ገፁ ናብ ትግራይ ኣዚሩ። “control of the northern provinces was symbolic to the chiristian king.” Abir
- ካልኣይ ኲናትን ወራርን ትግራይ ብ ዓምደፅዮን
ዓምደፅዮን ምስ መፀ፡ መጀመርታ ብ1320 ብየዕቢኻ እግዚ፣ ሽዑ ዳርጋ ስዒሩ ‘ህበይ’ ሰይጣን ዝብል ፀርፍታት ንተጋሩ ሰይሙ ነይሩ “ኣምደፅዮን ማእከላውነትን ለማጠናከር ያደረጋቸው ጥረቶች በሰሜናዊው የኢትዮጵያ ክፍል የትጥቅ ተቃውሞ ያስነሳበት ነበር። ብ 1320 ዓም በ ያዕቢኻ እግዚ የተመራውን ማእከሉ እምባሰነይቲ እና ቢሀት ላይ የሆነውን የተጋሩ ዓመፅ ደምስሶታል፥ ንጉሱ የተቀዳጀውን ድል በበቀል እርምጃ ደምድሞታል፥ በዓመፅ የተነሳበትን ህዝብ ‘ሰው ለሚለው መጠርያ ብቁ ኣይደለም’ ለማለት ፈልጎ የኣምባ ሰነይትን ኣስተዳዳሪዎች ‘የዥንጀሮ ገዢዎች’ የሚል ስያሜ ሰጣቸው።” (የኢትዮጵያ ታሪክ፡ ኣንደርዘይ/ኣለማየሁ ኣበበ፡ ገፅ 58) “to eliminate the pride of their hearts and to efface their [traditional] honours,” Tadesse
ዓምደፅዮን ‘ንትግራይ ስዒረ ኣለኹ፣ ኮላይ ቅድስቲ ካተድራል ኣክሱም ኣብ ቁፅፅረይ ኣእትየ ኣለኹ’ ኢሉ ንባዕሉ ኩሉ-ኣስገደ/’ሁሉን ኣሰግድ’ ኢሉ ዝሰየመሉ እዩ።
ኣብዚ ውግእ እዚ ዓምደፅዮን ገዛእቲ ትግራይ ክኸፋፍል ከምዝኻእለ እዩ። ኣብነት ናይ ተንቤን፣ ሽረ፣ ሓማሸን…. ኣንፅር ናይ እንደርታን እምባሰነይቲ/ዓድዋን መመሓደርቲ ክትኩሱ ወይ ሱቕ ክብሉ ገይሩ። ምስ ስዓረ ድማ ንቲ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ብዙሕ ከፋፊሉ መጀመርታ ተጋሩ ንዘይኮኑ ወታደራት ከፋፊሉ ሂብዎ፣ ብሌን ሳባ ንእትብሃል ጓሉ ድማ ብላዕሊ ጠማቲት ገይሩዋ። ንመረብ ምላሽን ሰገር መረብን ዝጥምት ማእከለ-ባህር ዝብል ሽመት ሂቡ።
- ድሓር ዝተወደበ ጥንኩር እብተይነትን መኸተን ትግራይ/ተጋሩ ኣብ እምባሰነይቲ ዝማእኸሉ እግዳ እግዚ ዝብሃል ዝመርሖ ሓይሊ ትግራይ ዓብዪ ዓመፅ ገይሩ ብጣዕሚ ብዙሓት ውግኣት ተኻይዶ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩ ብጣዕሚ ገዚፍ ክሳራ በፂሑ፣ ዓምደፅዮን እውን ብዙሕ ሰይጣናዊን መናሸውን ሱማት ሂቡ ገዛታት ኣቃፂሉ፣ ኣፊንጫ ቆሪፁ፣ መልሓስ ቆሪፂ ብዙሕ በደል ኣካይዱ፥ መወዳእታኡ ምስ እንግዳ እግዚ ተሸማጊሎም ንሱ ንጉስ ክኾን እግዳ እግዚ ድማ ትግራይ ከመሓደር ጓሉ ሂቡ ወዱ እውን ምስኣ ገድፉ ከይዱ። ሽዑ ትግራይ ንፈለማ ግዜ ትግራይ ተባሂላ፡ እንግዳ እግዚ ኣብ ሰቖጣ 100 ዝኾኑ፣ ኣብ ሰራየ፣ ኣብ ሰሜን፣ ኣብ ወልቃይት፣ ኣበርገለ፣ ሰለዋ፣ ዓጋመ፣ ሽረ፣ሓምሴን ወዝተ በብ ሓደ ሚኣኢቲ ገይሩ ሰራዊት ከምዘቐመጠ ይግለፅ( ገብረሚኪኤል ተኽለሂወት፡ ኣገንዕኑ ታሪኽ ልሳን)
- እዚ ብመሰረቱ ንህልውና ብሀረ-ትግራይ፡ ንመንነቱን ግዝእእቱን ዝተገበረ ብጣዕሚ ገዝፍ ኲናት እዩ። ካብቶም ዓበይቲ ምዕራፋት ቅድሚት ዝጥቀስ እዩ። ምስቲ ናይ ሎሚ ብቡዙሕ መልኾኡ ዝመሳሰል እዩ።
- እዚ ካብ እኒ ተስፋነ እግዚ ጀሚሩ ክሳብ እንግዳ እግዚ ከምኡ እንዳበለ ናብኒ ኣኽሓዶም ዝሰገረ፡ ካብ 1300ታት ክሳብ 1440ታት ዘሎ ግዜ ግዝኣት ትግራይ ብወሳኒ መልኮኡ ዝተነፀረሉ፣ ሰላማዊ ክብሃል ዝኽእል ስግግር ስልጣን ዝተርኣየሉ፣ ኣብ ሓደ ማእኸል 9መጀመርታ ኣብ ስሓርቲ ኸባቢ ድሓር ኣብ እምባሰነይቲ) ንንውሕ ዝበለ ዝፀንሐሉ፣ ወዝተ እዩ።
- ድሕሪ ሞት ዓምደፅዮን ዝተፈጠረ ክርአ ዘለዎ ኩነት ኻኣ ኣሎ።
ኣብቲ ሰሎሞናዊ ክርስታያን ቤተመንግስቲ ኣብ ምትኽኻእ ዘጋጠመ ምድኻማት ተጠቒሞም እቶም ዓምደፅዮን ዝዋገኦም ዝነበሩ ናይ ከ ከባቢኡ ምምሕዳራት ክጥንክሩ ጀሚሮም፥ ብፍላይ ድማ እቶም ናይ ወላስማ እስላም ዝብሃሉ ብዙሕ ውግኣት ከካይዱ ጀሚሮም ንቲ ክርስትያን-ሰለሞናዊ መንግስቲ ንምዕላው። እቶም ናይ ሰሜን ‘ፈላሻ’ እውን ቀጥቀጥ ኣቢሎሞ። ኣብዚ ዕግርግራት ትንፋስ ረኺባ ቅሩብ ዝጠንከረት ትግራይ ክኣ ተመሊሳ ከይዳ ንቲ ስርዓት ክተድሕን ተዋገአት።
ብ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዝኾነ ኣኽሓዶም ዝተብሃለ ንፉዕ ተዋጋኣይ ኣብ ግዜ ሃፀይ ዳዊት (ካብ 1382-1411 ዓም ዝነበረ) ስራዊቱ ሒዙ ኸይዱ ንቲ ዓመፃት መኪቱ ኣድሐኖ። “King Dawït sent his govemor of Tigré to suppress a local rebellion …. King Dawit had to send fresh auxiliaries to them under the command of Akhadom, governor of Tigre. The expedition was successful.” (Tadesse, Abir)
- ምንቅስቓስ እዎስታቲዎሳውያን
ኣብ ገረዓልታ ዝማእኸኡ ምስ ሃይማኖት (ኦሪት-ክርስትና/ቀዳም ምኽባር ሰንበት ምኽባር ወዝተ ዝብሎ ዘለዎ) ዝተተሓሓዘ ዓብዪ ምንቅስቓስ እዩ። ኣቦ ኢዎስታተዎስ ተሰዲዶም ኣብ ኣርመንያ ከይዶም ሞይቶም። ልዕል ኢሉ ከምዝተገለፀ ብቲ ናይ ሰለሞናውያን ፅውፅዋይ ታሪኽን ስምምዕነት ምስ ግብፂን ሓደ ናይ ኦሪት ስርዓተ-እምነት ተወጊዙ እዩ፥ ካልኣይ ስልጣን ምምራሕን ኣስተምህሮን ሃይማኖት ካብ ግብፃውያን ወፃእ ኣይክኣልን ስለ ዝተብሃለ ኣቦ ኢወስጣጢዎስ ውግዘት በፂሕዎም። ብ1337 ዓም ኣቦ ኢዎስጣጢዎስ ንኦሪትን ክርስትናን ብሓባር ወጊኑ ምስ ግብፃዊ ወኪል ጳጳስ ኣቡነ ያኢቆብ ብዕሊ ተኸራኺሩ እዩ። ቀፂሉ ምስ ናይ ግብፂ ፓትርያሪክ ቤንጃሚን ብዕሊ ተኸራኺሩ እዩ። ብዙይ ብሓይሊ ክባረር ተገይሩ ኣብቲ ዝተብሃለ ተሰዲዱ ምስ ሞተ ኣዝዮም ብዙሓት ደገፍቱ ኣብዚ ኸባቢና ስለዝፈረዩ ናብ ዓብዩ ናዕብን ኲናታትን ማዕቢሉ እዩ። “እቲ ውግእ ኣብ ሞንጎ ክርስትያን ተጋሩን ገለ ደገፍቶም ሰሜንን /ፈላሻ ኣንፅር ኣምሓራን መሻርኽቶም ግብፅን ነይሩ” (ላጲሶ)
ድሓር ንሃቶም ተኸታሊ ኣባ ፊልጶስ ብ 1319-1403 ዓም ኣብ ደብረብዘን ዓብዪ ገዳም መስሪቶም ብወገን ስሜን ዓብዪ ድጋፍ ረኺቦም ድሓር ንጉስ ዳዊት (1382-1411) መፂኡ ደጊፍዎም ኣስተምህረኦም ተስፋሕፊሑ ካብ ናይ ሎሚ ኤርትራ-ትግራይ ክሳብ ሰሜንን ገለ ክፋል ሽዋን ዓብዪ ድጋፍ ዝረኸበ ኣስትምህሮ ኾይኑ ቀፂሉ። መወዳእትኡ ዘርኣያቆብ ብ 1450 ዓም ኣብ ሽዋ ብዝሰየሞ ጉባኤ ክልቲኦም ኦሪትን ክርስትናን ስርዓተ እምነታትን ብዓላትን ነፃን ማዕረን ሕጋዊ ናይ ምንግስቲ እምነት ክኾኑ ብምውሳን ሕጋዊ ኣፍልጦ ሂቡ መዕፀዊ ዝገበረሉ ምንቅስቓስ እዩ።
እዚ ምንቅስቃስ ኣንፅር መሻርኽቲ ግብፂ ዝኾኑ ኣምሓሩ ንኽብሪ ሃገርን ነፅነትን ዝተገብረ ቃልሲ እዩ ይብልዎ ብዙሓት ፀሓፍቲ። ድሕሪ ሞት ዳዊት እውን ኣብ ምትኽኻእ ዓብዪ ቅልውላው ኣጋጢሙ ፡ ብኣዲኡ ትግራዋይ ዝኾነ ዘርኣያቆብ ኣብ ሽረ ደብረ-ኣባይ ዓብዩን ተማሂሩን ገዚፍ ናይ ተጋሩ ድጋፍ ረኺቡ ኣብ ሽዋ ድሕሪ ዓምደፅዮን ርኡያት ስራሕቲ ዝሰርሐ እዩ። ሓደሽቲ ናይ ሃይማኖታዊ ልማዳት እውን ዘተኣታተወ እዩ። ተኣምረ ማርያም ደሪሱ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ድሕሪ ቅዳሰ ክንበብ ዝገበረ እዩ። መፅሓፈ ብርሃን፣ መፅሓፈ ምእላድ፣ ጦማረ ትስብእት፣ ክሕዳተ ሰይጣን፣ መፅሓፈ ባህርይ፣ እግዚኣብሄር ነገሰ ወዘተ ዝብሉ ብ ግብፃውያን ዝተፀሓፉ እውን ተርጉሙ እዩ። ዓምደፅዮን ፈቲንዎ ዝነበረ ግዝኣት ባህሪ ነጋሲ ኢልካ ምሻም ‘ውን ኣጠናኺሩ ብ 1450 ባህረ-ነጋሽ መስሪቱ። ንሽረ ናብ ባሕረ ነጋሲ ትኹን ኢሉዋ ነይሩ። ብቐጥታ ናብኡ እውን ተፀዋዕነታ ገይርዋ ነይሩ።
- ምንቅስቓስ እስጢፋኖሳውያን፡ (ኲናት፣ ጨፍጫፍ፣ ዓመፅ ተጋሩ )
እዙይ ኣዕርዩ ዝፍለጥን ብዙሕ ዝተፅሓፍሉን ምንቅስቓስ እዩ። ‘እስጢፋኖስ’ ስም ምንኩስንኡ እዩ። ስድርኡ ሓድጊ ኣምበሳ ኢሎም እዮም ሰምዮምዎ። ኣብ ትግራይ ከባቢ ዓጋመ፡ ስቡሓ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተወለደ ሓድገ’ምበስ፡ ብብሕትውና መፅሕፍቲ መርሚሩ፡ ኣስተንቲኑ፡ ብዙሕ ተማሂሩ። ብግድኡ ከኣ ክምህር ጀሚሩ። ብዙሓት ኣብ እግሩ ኮይኖም ንኣስተምህሮታቱ ክቐስሙን ክስዕብዎን ጀሚሮም። ካብተን ዋን ኣስተምህሩኡ፡ መንግስትን ሃይማኖትን ይፈለ፣ ፈለስትን ካህናትን ሰሪሕና ብርሃፅና ንብላዕ፣ ሲሶየ ገለየ ይትረፍ፣ ንሓደ ፈጣሪ እምበር ንንጉስ ኣይንሰግድን ወዘተ ዝብሉ እዮም። እዙይ ዝድግፉ ከምዝበዝሑ ኩሉ ዝቃወሙ እውን በዚሖም ብፍላይ ኣብ ቤተመንግስቲ። ንጉስ ዘርኣያቆብ ን እስጢፋኖስን ሰዓብቱ ደቂቀ እስቲፋናኦስን ብዘይምሕረት ባዝዩ ኽፉእ መንገዲ ዝጨፍጨፎ ንምግላፁ መሰከፊ እዩ። እዚ ምዕራፍ እዙይ ናይ ትግራይ ዘመነ ኣብርሆት ዝተኾለፈሉ እውን እዩ ብጨፍጫፍ ጥራይ ዝግለፅ ኣይኮነን።
ዘምነ ዘርኣያቆብ 1434-1468 ብሓደ ገፅ ዝኹሉ ጨፍጫፍ ኣካይዱ ብኻሊእ ገፅ ድማ ‘ናይ ሰሜን ፖሊሲ’ ዝብሃል ንትግራይ ብፍሉይ ክብሪ ዝርኢ ኣካይዳ ኣተኣታትዩ። ዝተዋቐዐ ኣተሓሕዛ እዩ ነይርዎ ንተጋሩ ማእኸላዊነት ዝቃወሙ ደቂ-ኣባት፡ ንብረእድ ኖብ፣ ቢተወደድ ኣምብደመስቀል ዝብሃሉ ዓሚፆም ንዓምደመስቀል ዓምደ ሰይጣን ኢልዎ፣ ንንብሩእድ ኖብ ከበሮ ሰይጣን ኢልዎ። ብዙይ ብዙሕ ጨፍጫፍን ጭካነን ኣርእዩ እዩ። ብኽፉእ ተግባራቱ ተቓውሞታታ እንዳበዝሖ ዝኸደ ዘርኣያቆብ ኣነስትዮ ደቁ ኣምሓደርቲ ገይሩ ክሾም ጀሚሩ ነይሩ፡ ድል ሰምራ እትብሃል ጓሉ ናይ ትግራይ ኣምሓዳሪት ገይሩ ሸይምዋ ነይሩ። ዘርኣያቆብ ኣብ ኣክሱም ክነግስ ከሎ ንትግራይ ዘምሓድር ‘ኣቃቤ ስዓት’ ኢሉ ሸይሙ ነይሩ እዩ።
ብ1450ታት ዓም ገዛኢ ትግራይ-ትግርኚ ራኣሲ ጎቦ እምባሰነይቲ ነይሮም። ሽዑ ራእሲ ደጌና ዓጋመን ሽረን፣ ራእሲ ኣስመሮም እንደርታን ራያን የመሓድሩ ምንባሮም ይግለፅ። ሓራማት/ሓውዜን፣ ተንቤንን ዓድዋን ክኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዋና ገዛኢ ትግራይ ራእሲ ጎቦ ነይረን። ራእሲ ጎቦ ንመለስ ጃን ወሊዶም። መለስ ጃን ካብ 1494-1508 ዓም ብዘበነ ሃፀይ ናኦድ ንትግራይ ትግርኚ ኣመሓዲሮም። ምስ መላኬ ባሕር ድሩይ ፍጋጋ(ወዲ መላኬ ባሕር ብሌን ሰገድ) ፅቡቕ ሽርካ ነይርዎም። – ጓል መለስ ጃን እመቤት ንግስተ ማርያም ካብ ድሩይ ድጋጋ ናኦድ ሞገሳ ወሊዳ፣ ናኦድ ሞገሳ ንልብነድንግል ወሊዳ።
ድሕሪ መለስ ጃን ብ 1520ታት ኣቢሉ ንትግራይ ብዋናነት ዘምሓድራ ዝነበረ ፅዉዕ/ውሩይ ጅግና ብዓል ጋዳ ሮቤል እዩ። ማእከሉ ኣብ ሰለዋ እዩ ነይሩ። ኣብ መኸተ ወራር ኣሕመድ ግራኝ ብዙሕ መስተንክር ዝሰርሐን ዝተፅሓፈሉን እዩ። ሮቤል ናይ መጀመርታ ፅውዕ/ፍሉጥ ትግራይ መኮነን ምዃኑ እዩ። “ኣዝማች ሮቤል ብ1517 ዓም ብዓል ጋዳ እንደርታ ኾይኑ፣ ሽዑ ፅንሕ ኢሉ ትግራይ መኮነን ኮይኑ። (Azmach Robel was an important noble who held of Balgada of Enderta in 1517, and subsequently appointed Tigray Mekonnen or Governer of Tigray” by Beckingham and Huntimgford
ብ 15 ክ/መን ንቡዙሕ ግዜ ዝፀንሐ ውግእ ኣብ ደብብ ትግራይ ምንባሩ ዝገልፁ ሰነዳት ኣለው። ደብኣ ዝብሃሉ ህዝቢ(ድሓር ተሓዋዊሶም ዳርጋ ጠፊኦም) ዘካይድዎ ዝነበሩ ውግኣት እዩ። ከም ታሪክ ሰነዳት ዝብልዎ ዋና ምኽንያቱ ሃይማኖት ምዃኑ እዩ። እዙይ ብፍላይ ኣብ ከባብ 1471 ዓም ኣዕርዩ ጉሊሁ ዝካየድ ዝነብረ እዩ። ኣብዚ ክፍለዘመን መወዳእታ ኣብ ሞንጎና ሓደ ውግእ ተኻይዱ ነይሩ፣ ኣብ ሞንጎ ድሩይ ፍጋጋን ኣዝማች ረዳእ ሽረ ወዲ ደጌናን ኣብ ቆሓይን ተዋጊኦም ብዙሕ ሰብ ሃሊቑ። (መስፍን)
- ምስ ኣሕመድ ግራኝ ዝተኻየዱ ውግኣት
ብ1516 ልብነ-ድንግል ነጊሱ። ኣዲኡ ካብቶም ናይ እምባሰነይቲ መሳፍንቲ ትግራይ ትውለድ እያ። ምስ ናይ ሰለዋ መሳፍንቲ ድማ ተዋሲቡ። ጓል ሮቤል ዝብሃል ገዛኢ ትግራይ፡ ስሉስ ሓይላ ትብሃል ንሚናስ (ወዲ ልብነድንግል) ሂብዎ።
ወራር ግራኝ ቕድሚ ትግራይ ምብፅሑ ብዙሓት መኳንንቲ ትግራይ ‘ማእኸላይ መንግስቲ’ ከድሕኑ (ዓድና/ሃገርና፣ መንግስትና፣ ሃይማኖትና ኣይነድፍርን ኢሎም) ካብ ትግራይ ወፃእ ኸይዶም ንልብነ ድንግል ሓጊዞም ኣዝዩ ዘደምም ብቡዝሓት ወፃእተኛታት ዝተፅሓፈሉ ጅግንነት ፈፂሞም እዮም። “ሮቤል፡ ዕቁበሚካኤል፡ ዘወንጌል፡ ወዘተ ዝብሃሉ ናይ እንደርታ፣ ሽረ፣ ሓሓይለ፣ ሓማሸን፣ ተንቤን፣ ሰራየ ወዘተ ገዝኣቲ፡ ቁፅሮም 86 ዝኾኑ ኣምሓደርትን ኣዘዝቲን ተሰዊኦም ኣብ ሽምብራ ቁሬ ዝተኻየደ ውግእ። መብዛሕትኦም ኣዘዝቲ ኣብኡ ዋላ እንተተሰዋኡ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ትግራይ ክከላኸሉን ኣብ ግሸን እምባ ዝነበሩ ቤተሰብ ንጉስ ከድሕኑን ኣብ ከባቢ ኣንጎት፣ ኣምባስል ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሎም” (ይልማ ደረሳ)
ኣብ ውሽጢ ትግራይ መልክዑ ቀይሩ ናይ ህልውና ምስ ኮነ እቲ ውግእ ናብ ደባይ ቀይሮም ከምኒ ኣዝማች ተስፋ ልዑል (ኣብ እምባሰነይትን እንዳባገሪማን ከባብታት ኣብ ዝተገብረ ውግእ ንቲ ብዙሕ ቤተክርስትያናት ዘቃፀለ ወታደራዊ ኣዛዚ ግራኝ ቀቲሉ ክሳዱ ቁሪፁ ናብ ንጉስ ዘቕረበ)፣ ኣዝማች የውሃንስን ራእሲ ሻወልን (ኣብ ሽረ፡ ቆየፃ ን ተስፋ ልዑል ዝሰዓረ ወዘር ዓባስ ዝተብሃለ ዝተዋግኡ) ወዘተ ዝመርሕዎ ብጣዕሚ ብዙሕ ህልቂት ዝነበሮ ውግኣት ተኻይዱ እዩ። መወዳእታኡ ኣውን ግራኝ ካብ ትግራይ ወፂኡ ናብ ደንብያ ኽከድ ገይረሞ እዮም። (ኣብዙይ እዋን ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ብዝብዝር ክርኣዩ ዝግብኦም ውግኣትን ጨፍጫፋትን ኣለው እዮም)።
ተጋሩ፡ ግራኝ ክሳብ ዝሞውት ብታሪኽ ኣዕርዩ ዝፍለጥ ውግኣት ኣካይዶም። እናተሰዓሩ ምስ ከዱ ን ልብነድንግል ንትግራይ ኣምፂኦም ኣብ ደብረዳሞ ሓቢኦሞ፥ 1540 ልብነ ድንግል ሞይቱ። ድሕሪ ሞቱ ንወዱ ገላዲዎስ ኣንጊሶም። ገላውዲዎስ ምስ ነገሰ ኣዲኡ ኣብዙይ ብምዃና ኣሕዋታ እኒ ኣዝማች ዮሃንስ ዝብሃሉ ሒዛ ተቐባልነቱ ኣደልዲላትሉ። ኣብ ተንቤንን ሽረን ምስተዋጋአ ሰራዊት ግራኝ ካብ ትግራይ ወፂኡ።
ኣብ ግዜ ገላውዲዎስ ትግራይ ብዘይካ ምስ ዝተረፉ ሰራዊት ግራኝን ኻልኦት ተፃባእቲ ስጣን ገላውዲዎስን ክዋግኡ ኣዘዝታን ሰራዊታን ምስዳድ ወፅኣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ሰላምን ምርግጋእን ተፈጢሩ ነይሩ እዩ።
ገላውዲዎስ ብ 1559 ምስ ሞተ ድማ እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ገበርቲ ሓደግቲ ዝነበሩ መኳንንቲ ትግራይ ንሓው ሚናስ (ጓል ሮቤል ዝወሰደ፥ ስሉስ ሓይላ/ኣድማስ ሞገሳ ትብሃል) ኣንጊሶም። ን ገላዲዎስ ኮነ ን ሚናስ ኣብ ከባቢ ጎንደር ዝነበሩ ‘ፈላሻን’ ንደቡብ ወገን ዝነበሩ ኣስላምን የሸግርዎም ነይሮም፡ እቶም ተጋሩ ይሕግዝዎም ነይሮም። ድሓር ፅንሕ ኢሎም ግን ባዕሎም ንባዕሎም ምፍልልያት ኣብዚሖም።
ድሕሪ ውድቀት እቲ ብግራኝ ዝምራሕ እስላማዊ መንግስቲ ድማ ምዕራባውያን ካቶሊክ ክርስትና ከተኣታትዉ ደልዮም ብጣዕሚ ደማዊ ዝኾኑ ተኻታተልቲ ውግኣት ዝተኻየድሉ ነይሩ። ሽዑ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ተጋሩ እውን ፍልልያት ተፈጢሩ ውሽጣዊ ጎንፅታትን ውግኣትን ውን ዝተኻየድሉ እዩ።ምስዚ ጎናንጎኒ እቲ ‘ሰሎሞናዊ ስርወ ንግስነት’ ከምብሓዱሽ ኣብ ጎንደር ንምትካል፡ ብቲ ሓደ ገፅ ንዕኡ ምስ ዝፃብኡ ካልኦት ሓይልታት፣ ብቲ ኻሊእ ገፅ ድማ እቲ ሓደ ይንገስ እቲ ኻሊእ ይንገስ ኣብ ዝብል ውሽጣዊ ፍልልያትን ምትፍናንን ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፈለሉ ውግኣት ተኻይዱ እዩ። ኣብ ከምዙይ ዝበለ ቅልውላው ኩነታት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብዙሓት ዓመፅት ከምዝተኻየዱ መረዳእታ ኣሎ።
- ውሽጣዊ ምክፍፋልን ንሕንሕን መኳንንቲ ትግራይ (ደጋዊ ኢድ ምጣትታው ዝነበሮ) ክፉእ ጎንፅን ውግእን
ካብ 1560-1590 ዓም ዳርጋ ንሰላሳ ዓመታት ንእሽተይ እናዕረፈ፣ ፅንሕ ኢሉ ብኻሊእ መልክዕ እናተለዓለ ኣብ ሞንጎ መኳንንቲ ትግራይ፡ ብቲ ሓደገፅ ነገስታት ጎንደር ብቲ ኻሊእ ገፅ ቱርኲን ፖርቱጋልን ዝተጠቐማሉ ውግኣት ተኻይዱ እዩ። እንዳሓረጎት ዝብሃሉ ናይ ሰለዋ መኳንንቲ ምስ እንዳ ኣቤቶ የውሃንስን ባህረ ነጋሽ ይሳቕን ዝብሃሉ ናይ እምባሰነይትን ሽረን መኳንንቲ ዝነበረ እዩ እቲ ዋና።
መበገሲ ምኽንያቱ ድማ ሚናስ ስልጣኑ ምስ ኣደላደለ ዝወሰደን ስጉምቲታት እየን፥
1) ሚናስ ንእነሓጉኡ እተጌ ሰብለወንጌል መዓርጋ ኣልዒሉ ንሰበይቱ ንስሉስ ሓይላ እተጌ ኣድማስ መጎሳ ኢሉዋ። ብዙይ ድማ እቶም እምባሰነይቲ መኳንንቲ እኒ ኣዝማች/ኣቤቶ ዮውሃንስ ኮርዮም። ብዓል ሽረ/ደብረሞንኮል ባሕሪ ነጋሽ ይሳቕ እውን ምስኦም ኮይኑ። ብኣንፃር እዙይ ናይ ቦራ ሰላዋ መኳንንቲ (ዳ ሓረጎት፣ ተክለ የውሃንስ ዝብሃሉ ናይ ሮቤል ስድራ) ንሚናስ ደጊፎም። እታ እኖሓጉኡ ጓል እምባሰነይቲ እያ፥ እታ ሰበይቱ ድማ ግ ሰለዋ ጓል ሮቤል እያ።
ካልኣይ፡ ሚናስ ን ይሳቕን ኣቡኡን ካብ ስልጣን ባሕረነጋሽነትን ትግራይ መኮነንን ኣልዐሎም። (ኣቦ ይሳቕ የውሃንስ ይመስል፡ ብንፁር ዝተቐመጠ ግን የለን)?። ሚናስ ንይሳቕን ኣቡኡን ስልጣኖም ኣሒዲጉ ንቶም ናይ ቦራ ሰለዋ ሂቡዎም.። ብዚ ባሕረነጋሽ ይሳቕን ኣብኡን ዋና ተቓወምቲ ሚናስ ኮይኖም። ገላዲዎስ ንቶም ናይ ሽረ መኳንንቲ ንኒ ይስሓቕ እዩ ሒዙ ነይሩ፡ ንይሳቕን ንኣቡኣኡን ናይ ባሕሪ ነጋሽን ትግራይ መኮነን ገይሩ ሸይምዎም ነይሩ: “Minas, the brother who succeeded Galawdewos in 1559, …. then became entangled in the politics of Tigray” Henz
እዙይ ኣብ ታሪኽ ተጋሩ ኣብ በባዕልና ካብ ዝተኻይዱ ናይ ተጠፋፋእ ውግእ ቅድሚት ዝስራዕን ንትግራይ ኣዝዩ ዝጎድአን ውግኣት ዘስዓበ እዩ። ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ ኩነታት ዝፈጠረን ንናይ ባዕዲ ኢድ ኣእታወነት በሪ ኸፍቱ ሓያላን ዓድታት ክጥቀማሉ ዝገበረ እዩ።
እቲ ጉዳይ ብዝርዝር እንትንሪኦ፡ እኒ ባህረ ነጋሽ ይሳቕ ንሚናስ ተቛዊሞም ንሓደ ተዝካሮ ዝተብሃለ ወዲ ሓው ንሚናስ(ወዲ ያኢቆብ) ኣንጊሶም። ሚናስ ንተኽለ ዮውሃንስ ኣዛዚ ገይሩ ተዋጊኡ ተሳዒሩ፥ ዮውሃንስ ብ ይሳቕ ተቐቲሉ። ኣብ ሞንጎ እዙይ ኣብ ስሜን ‘ውን ብናይ ባዕሎም ዕላማ ዕግርግር ተፈጢሩ።
ንግዚኡ ተሳዒሩ ዝነበረ ሚናስ ካብ ኦሮሞን ደቡብን ብዙሕ ሰራዊት ሒዙ መፂኡ ኣብ ወገራ ኲናት ተገይሩ ተስካሮ ተማረኸ፥ ብለማልሞ ገደል ድማ ተደርበየ። ይሳቕ ግን ኣንሰሓሒቡ ናብ ሓማሸን ተመሊሱ ብዙሕ ግዜ እናተዋጋአ የባርሮም ምስ ዝነበረ ቱርኪ ንባሕሪ ከይዱ ሚናስ ንምውቃዕ ክብል ተስማዕሞዖም። “ኣብዚ.. ዘጋጠመ ምክፍፋል ቱርክን ፖርቲጋልን ተጠቒመናሉ።”(ላጲሶ) ምክፍፋልን ኣዝዩ መውደሚ ውግእትን ተጋሩ፡ ባዕሊ ንባዒሊ፣ ምስ መንግስቲ፣ ወፃእተኛ (ቱርክን ፖርቲጋልን) ብምእታው።
ንሚናስ ዝቃወሙ Vs ዝድግፉ=ይሳቕ ሽረ/ደብረሞንኮል Vs ተክለዮሃንስ (ወዲ ሮቤል) ሰለዋ “Ishaq’s house was from the province of shire, his rebels was house of bora-selewa, Tekle hannes son of robel , participated at the side of the monarch in the decisive battle in 1579 againest the turk and Ishaq” – ” Daharegot , a tigrean noble of the house of bora-selewa was related to the king/minas by marrage” (Abir )
ሚናስ መጀመርታ ብ ይሳቕ ተሳዒሩ ነይሩ። ተኽለ ዮሃንስ ብይሳቕ ተቐቲሉ [ባዕልና ንባዕልና ንቃተል ዓያሹ]። ሚናስ ፅንሕ ኢሉ ድሓር ብ 1563 ናይ ኦሮሞ ሉባ፣ ማሪኹን ገፊፉን ዝሓዞም ጭዋ/ሰራዊት፣ ኣዝማች ዳሓረጎት ዝእዝዝዎ ናይ ትግራይ ሰራዊት ሒዙ ኣብ ደንብያ እንተዋግኡ ን ኣዝማች ድሓረጎት ብ ደብብ ኣንፈት ንሶም ብማእኸል ኣጥቂዕም ስዒረምዎ። (Abir, 145)
ኣብዚ ውግእ እቲ ይሳቕ ዘንገሶ ተዝካሮ ምስተማረኸ፡ ይሳቕ ናብ ምፅዋዕን ሓርጊጎን ከይዱ ንቱርኲ ኣምፂኡ፥ ምስ ትግራይ መኮነን ዮሃንስ(እምባሰነይቲ) ‘ውን ሕብረት ፈጢሮም፣ ምስ እዮስሳውያን/ፖርቱጋል ‘ውን፣ ሽዑ ድማ ሃይማኖት ኣይትሰብኩን ተባሂሎም ኮርዮም ዝነበሩ ፖርቱጋላውያን/እዮስሳውያን እውን ምስ እኒ ባሕረ ነጋሽ ይሳቕን ትግራይ መኮነን ዮውሃንስን ወገኑ። “….retreated to the north, where they counted with the protection of baḥer nägash Yisḥaq and tigre mäkwännin Yohannes.” Andrew
ባህረ ነጋሲ ይሳቕን ትግራይ መኮነን የውሃንስን፣ ቱርኪ፣ ፖርቱጓል ሰለስቲኦም ተሓባቢሮም ክሳብ ደብረዳሞ ምቅፃል/ምውዳም በፂሖም ንማእኸል ትግራይ ኣትዮም ብ1579 ብዘበነ ሰርፀድንግል ተዋጊኦም ተስዓሩ። ሚናስ ብ 1563 ዓም ምስ ሞተ ወዲ 13 ዓመት ዝኾነ ሰርፀ ድንግል ንምንጋስ ምክፍፋል ነይሩ። ኣብ ጎጃምን ዳሞትን፣ ኣብ ሽዋ ነናይባዕሎም ኣንጊሶም ነይሮም። እኒ ኣዝማች ተኽለጊዮርግስን እኖን እኖሓጎን ዘርፀድንግል ዝሓዘ ድማ ንሰርፀ ድንግል ‘መለክ ሰገድ’ ብዝብል ኣብ ኣኽሱም ኣንገስዎም። ኣብ ጎጃም፣ ሽዋን ዳሞትን ዝተልዓለ ዓመፅ እኒ ኣዝማች ተኽለጊዮርግስ ዝመርሖ ውግእ ደሚሲሶም ስልጣን ሰርፀድንግል ኣደላደሉ። ብ 1563 ዓም ሰርፀ ድንግል ኣብ ኣክሱም ነገሰ። ሽዑ ኣብ ሽዋ ራስ ሃመልማል ዝብሃል ናይ ገላዲዎስ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ካሊእ ተኽለማርያም ዝብሃል ኣብ ሽዋ ኣንገሰ። ብ 1565 ድማ ካሊእ ፋሲል ዝብሃል ኣዛዚ ኻእ ኣብ ዳሞት ናይ ባዕሉ ኣንጃ ፈጠረ። በዙይ መዓት ውግኣት ተካይዶም ብተጋሩን ተጋሩ ዝመርሕዎምን። እቶም ተጋሩ ካብ ትግራይ ወፅእ ዝነበረ ዕግርግራት ኣረጋጊኦም ናብ ቱርክን ይሳቕን ተመለሱ።
ኣብዚ ናይ 1579 ውግእ ፡ ኣዝማች ተኽለጊዮርግስ ብየማን፣ ሹም ተንቤን ገብረዮሱስ ብፀጋም፣ ከምኡ እውን ፊተውራሪ ክርስቶሳዊ፡ ንብሩኡድ ቶማስ (ዋና መራሒ ፊትወራሪ ዝነበሩ)፡ ወዘተ ተሰሊፎም ተዋግኡ። ካብ ሰገር መረብ እውን እኒ ዕቑባሚኬም ጥቁር፡ ስምኦን ኣስገዶም፡ ኣግደር ዝብሃሉ ምስ ንጉስ ተሰሊፎም ኣንፃር ቱርክን እኒ ይሳቕን የውሃንስን ተዋግኡ።
ወልደ እዙም(ወዲ ሕሱም ?) ዝብሃል ብመራሒኡ ዳሓረጎት ዓሚፁ ብዙሓት መራሕቲ ቀቲሉ ናብ ቱርኪ ከይዱ ብ 1589 ልክዕ ከም ይሳቕ ቅድሚኡ ዝምክቶም ዝነበረ ቱርኪ ሐዚ ምስኦም ወጊኑ ደባርዋ ተቖፃፂሮም ክሳብ መረብ ሰጊሮም ክመፁ ገበረ፡ ብብዙሕ ውግእ ትሩኪ ተሳዕሩ ተመለሰ። ዕቑባ ሚኬል ኣብዙይ ኣብ ወሰን መረብ ብዙሕ ታሪኽ ሰርሐ/ንትሩኪ ወድኦም። ዕቑባ ሚኩኤል ን ወልደ ዕዙም ቀቲልዎም። ዕቑባሚኪኤል ድሕሪ እዙይ ገዛኢ ባሕሪ ነጋሲ ኮነ።(ተወልደ ትኩእ፡ 83-4)
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ወግእ ተጋሩ፡ ንብርእድ ቶማስ ብሓደ ገፅ ፊት ንፊት ማለት እዩ፡ ቁርባነ ክርስቶስ ብኻሉእ ገፅ፡ ወሰኖ ብኻሉእ ገፅ፡ ዕቑባ ሚኪኤል ብቲ ሓደ ኮይኖም ተዋጊኦም። ማእለያ ዘይብሎም መኳንንትን፡ ህዝብን ሃፍትን ኣብዚ ውግእ ሃሊቖም። ካብ 1557-1589 ኣብ መላእ ከባብታት ትግራይ ልዕሊ ዓሰርተ ውግኣት ተኻይዶም።
- ወራር ቱርኪ ንምምካት ዝተኻየዱ ውግኣት
ካብ 1500 ጀሚሩ ድማ ብዋነት ናይ ቱርኪ ሓገዝ ዘለዎ ናይ ኣስላም ምንቅስቓስ ጠቕላላ ንቲ ክርስትያን ‘ሰለሞናዊ ሴማዊ መንግስቲ’ ከፍርስ ሰፊሕ ወራር ክገብር ጀሚሩ። ኣብዙይ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ክርስትናን እቲ ‘ሰሎሞናዊ ስርወ ንግስናን ንምድሓን ብዝብል ኣብዝተኻየዱ ውግኣት ተጋሩ ዝገበርዎ ቃልሲ ብሰፊሑ ተሰኒዱ ዝርከብ ዓብዩ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ።
ኣርባዕተ ወራር ቱርኪ፡1) 1557፥ 2) 1562/63፥ 3) 1578፥ 4) 1589። እዙይ ኩሉ ብዋናነት ተጋሩ እዮም መኪተሞ። ድሕሪ እዙይ ቱርኪ መፂኣ ኣይትፈልጥን። (ተወልደ ትኩእ)
- ድርቂ፣ ሕማም፣ ጥሜት – ምዝባዕ ኩነታት ኣየርን ሓደጋ ተፈጥሮን ዘስዐቦ ምስ ኲናት ብዝተኣሳሰረ ውን ዝመፅእ
– ብ1534-1535 ዓም ሕማም ፌራን ጥሜትን ኣብ ትግራይ ብዙሕ ብርሰት ኣብፂሑ፣
– ብ1606 ዓም ሓያል ድርቂ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ፥ ብሰንኩ ድማ ተማሓላፊ/ተላጋቢ ሕማም ስዒቡ ን ህዝቢ ትግራይ ኣንፂትዎ፣
– ብ 1611 ዓም ዘጋጠመ ተላጋቢ ሕማም ተኸቲሉ ዝመፀ ሓያል ጥሜት ብዙሕ ሰብ ወዲኡ፣
– ብ1618/9 መሊሱ ተላባዲ ሕማም፣
– ብ1623 ደጊሙ ሕማም፣
– ብ1634/5 ሕማምን ጥሜትን (‘ቀጠና’ ዝብሃል ሕማም)፣
– ብ1654 ‘ከብብ’ ዝብሃል ተመሓላላፊ ሕማም (ብሕፅረት ምግቢ ዝመፅእ ህማም እዩ)፣
– ብ1718 ተመሓላፊ ሕማም smallpox ነይሩ፣
– ብ 1693 ሽዑ ኣብ ትግራይ ሕማም ኣትዩ ነይሩ፣ ኣብ መውዳእታ 1700 ዓም ዓብዪ ጥሜት ሓደጋ ኣጋጢሙ ነይሩ።
- ምስ ምትእትታው ካቶሊክ ተኣሳሲሩ ዝነበረ ቅላውላውን ውግኣትን
ኣብ 1600ታት ትግራይ ዘምሓድር ዝነበረ ኣዝዩ ፅዉዕ ጅግና ትግራይ መኮነን ኣዝማች ተኽለጊዮርግስ ድሕሪ እቲ ቱርኪን ፖርቱጋልን ዝተሓወስኦ ውሽጣዊ ቅልውላዋትን ወራርን ንትግራይ ዘረጋግእን ሓይላ ክትወፅእ ዝገበረን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዕብይ ዝበላ ፍፃመታት ፈፂሙ ነይሩ ኣዝማች ተኽለጊዮርግስ፡ 1. ብ 1610 ዓም ክሳብ ስዋኪን ከይዱ ፀጥታ እቲ መስመር ኣክቢሩን ባሕሪ በሪ ኸፊቱ ስርዓት ንግዲ ኣመዓራሪዩን፥- ፍንጅ ዝብሃሉ እውን ካብ ስዋኪን ክሳብ ጎንደር ዝተለጠጡ ብዙሕ ዝህውኹ ዝነበሩ ኣደብ ኣትሐዙ 2. ብ 1615 ዓም ናብ ዓሰብ ገፅ ከይዱ ካብ ዓሰብ 30 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ባይሉር ትብሃል ወደብ መስሪቱ 3. ናብ ራያ ዝመፁ ኦሮሞን ኣብኡ ዝነበሩ ዶብኣ ዝብሃሉ ነባር ህዝብን ናብ ተጋሩ ኹኑ ኢሉ ትግራዋይነት ክላበሱ ገይሩ ።
ኣብዚ እዋን ደጃት ክፍለዋሕድ ዝብሃል ምናልባት ውን ናይ መጀመርታ ደገዝማትነት ዝተውሃቦ ትግራዋይ እዩ ይመስለኒ ትግራይ ዘምሓደረን ኣብ ቤተመንግስቲ ጎንደር ተሰማዒ ዝነበረ፥ ጓል ሰርፀድንግል ወሲዱ (ክርስተሳዊት ትብሃል) ኣብ መጋርያፀምሪ ማእኸሉ ገይሩ ብዙሓት ዝፈረየን ብዙሕ ጅግንነት ዝነበሮን መራሒ ትግራይ እውን ነይሩ።
እምብኣር ናብቲ ርእሰጉዳየይ ክምለስ፡ ሲሲኒዮስ ብ1609 ኣብ ኣኽሱም መፂኡ ብቲ ሉሙድ ናይ ኣኽሱማውያን ስርዓት ኣንጋግሳ ብኣውነ ስምኦን ነጊሱ። ሽዑ ኣብ ትግራይ መጀመርታ ያኢቆብ ዝብሃል ነጊሰ ኢሉ ኣዊጁ ብዙሕ ውግእ ተገይሩ ኣብ ከባቢ ሽረ ብስእለ ክርስቶስ ተቐቲሉ ፣ ድሓር ካኣ ብ1620 መልከ-ፀዲቅ ዝብሉ ኣርዞን ዝብሃል ኣንጊሶም ኣብ ትግራይ ዘየድሊ ውግእን ህልቂትን ክህሉ ገይሮም። ኣብ ሽረ ውን ካሊእ ዓመፅ ተላዒሉ ዓብዪ ብርሰት ኣጋጢሙ ነይሩ። “ዓመፅ ሽረ፡ ብ 1617 ንህዝቢ ሽረ ዓብዪ/ከቢድ ግብሪ ተወሰነሉ። ብዘበን ስስኒዮስ ብ ኣብየድንግል ዝተብሃለ ኣምሓዳሪ ዝተቐመጠ ግብሪ ንታ ዓዲ ምድረባዳ ገይርዋ። ብዚ ሰብ ምስ ዓመፀ ውግእ ተኸፊትሉ ተጨፍጨፈ። ሰብ ንስራየ ተሰዲዱ። ፈለስትን ካህናትን ጥራይ ኣብታ ዓዲ ተሪፎም።” ኣንደርዘይ
ሲሲንዮስ ብ1624 ናብ ኣኽሱም ከይዱ ብዕሊ ሮማን ካቶሊክ ተቐቢሉ ከምሓዱሽ ነገሰ። ብ1623 Almeida ዝተብሃለ ሰባኺ መፂኡ፣ ብ 1625 MENDEZ and LOBO፣ ዝብሃሉ ሰበኽቲ መፂኦም። እቲ ሓዱሽ ሃይማኖት እቲ ሓፋሽ ክቕበሎ ኣይክኣለን። እቶም መራሕቲ እውን ተቓዊሞሞ። ብ1626 ብዙሕ ሰብ ብሓይሊ ክጥመቕ ተገይሩ፥ ብዓላትን ፆምን ብቲ ናታቶም ‘ካላንደር’ ክቕየር ተገይሩ። ኩሉ ህዝቢ ግን ናብ ተቓውሞ ኣትዩ፣ ብዋንኡ ግን ብ1628 ኣዝማች ተኽለጊዮርግስ (ኣማሓዳሪ ትግራይ/ሰብኣይ ጓሎም ንሲሲንዮስ) ዓሚፆም። ባሕረ-ነጋሽ ዮሃንስ ሃካይ ምስ ኣዝማች ተክለጊዮርግስ ወጊኑ ኣብቲ ዓመፅ ነይሩ እዩ። “… Rebellion broke out in 1628 in tigray led by its viceroy Teklegiorgis, susinyos’s old friend and son-in-law.” Abir, ትግራይ ሽዑ ብራያ ገፅ ብተስፋሕፋሕቲ ኦሮሞ ትህወኽ ምንባራ ኣቢር ይገልፅ። ኣብዚ ውግኣት እዙይ መራሒ ትግራይ ኣዝማች ተኽለገዮርጊስ ብምስውኡ ተግራይ ተዳኪማ ንንውሕ ዝበለ እዋን መን እኳ ከምዘመሓድራ ኣዕርዩ ብዘይፍለጠሉ ኩነታት ፀኒሓ።
ኣብ 1680ታት ኣቢሉ ራእሲ ፋርስ ዝብሃል ብዓል ሰለዋ ትግራይ መኮነን ኮይኑ ኣብ ኣኽሱም ማእከሉ ገይሩ ከምዘምሓደረ እኹል መረዳእታ ኣሎ። ራእሲ ፋርስ ትግራይ መኮነን “a governor, Fārēs, was set over them with the title of “Tegray Maḳuonen”(Wallis)። ሽረ ድማ ነጋሪት ዝነበረት ትግራይ መኮነን ክትጥርነፍ ተወሰነ።
ሃፀይ ኢያሱ 1ይ ፡ ኦሮሞን ሻንቅላን ንዝገብርዎ ዓመፃት ክምክት ን ራእሲ ፋርስ ዋና ኣዛዚ ገይሩዎ ነይሩ “He made Fārēs commander”። ኢያሱ 1ይ ንትግራይ ቅድሚያ ልዕልነት ዝህብ ፖሊሲ ነይርዎ። ትግራይ መኮነን ቅድሚ ኩሉ ይስራዕ ወይ ንቐደም ንንጉስ ዝረክብ ንሱ እዩ። ኢያሱ 1ይ ምስ ሞተ ብ 1706 ዓም ራእሲ ፋርስ ንተክለሃይማኖት ኣንጊሱ፥ ሽዑ ራእሲ ቱሉ ዝብሃል ናይ ዳሞት ኣመሓዳሪ
ዓሚፁ/ተቓዊምዎ ፋርስ ድማ ሒዙ ናብ ትግራይ ወሲዱ ዓይነ ስውር ገይሩ ኣሲርዎ። ቀፂሉ ኣኖሬ ዝብሃል ናይ ጊጃም መራሒ ዓመፅ ኣልዒሉ ብራእሲ ፋርስ ዝምራሕ ናይ ትግራይ ሰራዊት ተደምሰሰ። ብመስከረም 1707 ኣብ ጎጃም ‘ዓምደፅዮን’ ዝብሃል ኣንጊስና ኢሎም ኣዊጆም። ተኽለሃይማኖት ንኮማንደራቱ/ኣመሓደርቲ ራእሲ ፋርስን ደርመንን ክድምስስዎ ሓቲቱ። ራእሲ ፋርስ ኣብ ቀበሮ ሜዳ ኣብ ዝተገበረ ውግእ ንሰራዊቱ ደምሲሱ ንባዕሉ ቀቲልዎ። ድሕሪ እዙይ ተኽለሃይማኖት ናብ ሃደኑ ኣትዩ፣ ጎጃም ድማ ተንኮል ሰሪሖም ኣብ ዱር ተሓቢኦም ፀኒሖም ቀቲለሞ። ድሕሪኡ ራእሲ ፋርስ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ዝኾነ ናኦድ ዝብሃል ወዲ ተኽለሃይማኖት ኣንጊሱ። ኣብዚ ግዜ ንቲ ኹሉ ምስሕሓብ ምኽንያት ዝኾኑ ካብ ሃይማኖት ሓሊፎም ስልጣን መንግስቲ ንምሓዝ ዝረባረቡ ‘ቅባትና ተዋህዶ’ ዝብሃሉ ሃይማኖታዊ ምክፍፋላት/ጉጅለታት እዮም። (ተወልደ ትኩእ፡ 119)
ድሕሪ ራእሲ ፋርስ ድማ ኣብ መዘጋ ዝማእከሉ ዓይነዝጊ (ኣያናይዝጊ) ዝብሃል ብ1720ታት ትግራይ የመሓድር ነይሩ፥ ብ1716/7 ከባብታት ምስ ናይ ሓማሸን መራሕትን ናይ እምባሰነይትን ውግኣት ከምገበረ Buruce ይገልፅ። ሽዑታት ተክለወአልድ ዝብሃል ኣመሓዳሪ ትግራይ ናብ በካፋ ከምዝገበረ buruce ይገልፅ። ተክለሃይማኖት፣ ዘማርያም ዝብሃሉ ቀናዝማቻት ትግራይ ‘ውን ምንባሮም ይጠቅስ። ኣብ ሓማሴን ደቂ ገብረኽርስቶስ ዝብሃሉ፥ ብፍላይ ብድማ ራእሲ ዓምደሃይማኖት ብ 1730ታት ኣብ ዓድዋ ማእኸሉ ገይሩ ዝበዝሕ ትግራይ የመሓድር ነይሩ። ኣብ እንደርታ ኸባቢ ድማ ወልዴ ዝብሃል የምሓድር ነይሩ (ድሓር ብሚኪኤል ስሑል ተሳዒሩ)። ኣብቲ እዋን ቤገምድርን ጎጃምን ይቀጣቐጡ ነይሮም። ትግራይ ግን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሰላም ረኺባ ነይራ፥ ንሱ እዩ ድማ ንሚኪኤል ስሑል ሓይሎም ክወፁ ዝገበሮም።
ትግራይ ክሳብ ምምፃእ ራእሲ ሚከኤል ስሑል (17ተ ክ/ዘመንን) ብ44 ሰብ-ነጋሪት እትመሓደር፣ 24 ከባብያዊ ምምሕዲራት ዝነበረኣ እሞ መራሕታ ድማ ትግራይ መኮነን፣ ንብሩእድ፣ ከንቲባ፣ ብዓል ነጋሪት፣ ሹም፣ ብዓልጋዳ ዝበሃሉ ከም ዝነበሩ (ክመረብ ንንየ ዘሎ ድማማ ባሕረ ነጋሲ ይበሃሉ ከምዝነበሩ) ዝሕብሩ ሰነዳት ኣለው።
ካብ ዘመነ መሳፍንቲ ክሳብ ሃፀይ ዮሃንስ (ካብ ሚኪኤል ስሑል 1740 ዓም ንድሓር)
ብ1740 ዓም ሚኪኤል ስሑል ንራእሲ ዓምደሃይማኖት ስዒሩ መማሓደሪ ሙሉእ ትግራይ ኮይኑ። ኣብ ሓማሸንን እንደርታን ብርትዕ ዝበለ ተቓውሞ ገጢምዎ ነይሩ። ፈለማ ኣምሓዳሪ እንደርታ ንዝኾነ ወልዴ ዝብሃል ቀቲልዎ። ቀፂሉ እውን ምስ ፀዓዘጋ ተዋጊኦም፥ “ባሕረ ነጋሲ ሰሎሞን ወዲ ደግያት ተስፋፅዮን ድሕሪ ሞት ሓው ኣብኦም ኣብ ፀዓዘጋ ኮይኖም ይገዝኡ ነበሩ፥ ግዝኣት ኣቦታቶም ካብ ራእሲ ሚኪኤል ንኸምልሱ ንኹሉ ኣኽቲቶም ኣብ ዕዳጋ ረቡዕ ምስ ራእሲ ሚኪኤል ን 6 መዓልቲ ተዋግኡ።” ራእሲ ሚኪኤል ምስ ናይብ ዝገበርዎ ውግእ ኣብ ኮልሞዲን ገፅ 95 ኣሎ። ናይብ/ቱርኪ ክሳብ ሓምሴን መፂኡ ነይሩ ምስ ባህሪ ነጋሲ ሰሎሞን ተሰማሚዑ፣ ሚኪኤል ከይዱ ፀሪግዎ፥ ሽዑ ዕቑባስላሴ ዝብሃል ረቢሹ ነይሩ ወቒዐሞ። ሚኪኤል ስሑል ቀልጢፉ እዩ ፍርሑን ፅውዕን ኮይኑ። ሚኪኤል ስሑል ግዜ ዝሃቦ ድላዩ ዝገብር እዩ ነይሩ። ብ1762 ከባቢ ኣመሓዳሪ ሲናር ዝነበረ ባዲ ኣቡ ሻሉክ ንጎንደር ዘሸግር ዝንበረ መፂአ ከይደምሰስኩኻ ባዕልኻ ምፅእ ኢሉዎ መፂኡ ኢድ ነሲኡ ሱቕ ኢሉ ዓዱ ከምሓድር ምሒርዎ።
ኣብ ጎንደር ገባሪ ሓዳጊ ጥራይ ዘይኮነ ጎንደር ትግርኛ ክትዛረብ ውን ገይሩ ነይሩ። ራእሲ ሚኪኤል ዘውዲ ዝፀዓንሎም ማለት ከምድላዪ ቀያዪሩ ዘንገሶም፡ ሃፀይ ኢያሱ 2ይ፣ ኢዮኣስ፣ ዮሃንስ፣ ተኽለሃይማኖት እዮም።
1770 ዓም ራእሲ ሚኪኤል ንዳግማይ ተኽለሃይማኖት ሒዙ ናብ እክሱም ምስ መፀ ብድሕሪኡ ‘ሲሲንዮስ’ ዝብሃል ኣንጊሶም ፀኒሖሞ (ራስ ጉሹን ራስ ወልዴ ዝብሃሉ)። 16, 19, 23 ግንቦት 1771 ዓም ሰለስተ ግዜ ኣብ ቋኣራ ውግእ ተኻይዱ ምስ ራስ ጎሹ/ቤገምድርን ራስ ወንዴ/ላስታን፥ ውግእ ጢግ ምስ በለት ንጎንደር ተመሊሱ፡ ካብኡ ንትግራይ ናብ ኣኽሱም መፂኦም፥ 88 ዓመት ይገብር ነይሩ ይብልዎ። ድሕሪ ስሑል ሚኪኤል ናብ ትግራይ ምምፅእ ራስ ጎሹ ብ ራስ ወንዴ እናተደገፉ ናይ ጎንደር ገባሪ ሓዳጊ ኮኑ። እዙይ ምጅማር ዘመነ መሳፍንቲ ኣበሰረ፥ ካብዙይ ክሳብ ምምፃእ ሃፀይ ቴድሮስ ዘሎ እዩ ዘመነ መሳፍንቲ ዝብሃል።
ብሓፈሻ ዘመነ ሚኪኤል ስሑል እንትጠቓለል፡ ንምሉእ ትግራይ ጠቒሉ ዝመሓደረ፣ ኣብ ቤተመንግስቲ ጎንደር ገባሪ ሓዳጊ፣ ዲፕሎማሳዊ ርክባት ዝነበሮ፣ ፅሑፍን ትምህርትን(ቤተክህነት) ዘተባብዐ፣ ግዝኣቱ ዝሕሉ፣ ዓብዪ ፅልዋን ተስማዕነትን ተፈራሕነትን ኣብዚ ኸባቢ ዝፈጠረ፣ ልዕልነት ትግራይ ዘርእየ ነይሩ። ድሕሪ እዙይ እቶም መሳፍንቲ ዋላ እንተተኸፋፈሉን እንተተዋግኡን ትግራይ ግን ብዋነት እቲ ዝኒሀዋ ቅርፅን ግዝኣትን ዳርጋ ይቕፅል እዩ ንነዊሕ ግዜ፥ ድሓር ብሰሜን፣ ብደቡብን ምዕራብን ምቑርማም ዋላ እንተመፀ።
እምባኣር ካብዚ ንድሓር ዘሎ እንትንሪኢ ድማ ክንፍትሸን ዝግብአና ኣብ ግምት ነእትወን ርእሰጉዳያት ክፈሊ፡
1) ኣብ ስግግር ስልጣን ኣብ ሞንጎ መሳፍንቲ ትግራይ ዝተኻየደ ሓያል ደማዊ ዂናትን ጎንፅን
2) ባዕዳዊ ወራርን መኸትኡን
3) ወራር፣ ኲናት፣ በደልን ጭቆናን ገዛእትን ንጉሳትን ኢትዮጵያን/ሽዋን ጎንደርን
1) ኣብ ስግግር ስልጣን ኣብ ሞንጎ መሳፍንቲ ትግራይ ዝተኻየደ ሓያል ደማዊ ውግኣትን ጎንፅን
- ድሕሪ ሚኪኤል ስሑል ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩነታት እንትንርኢ፡
ራእሲ ሚኪኤል ምስ ሞቱ ተነሓናሕቲ ስልጣን ኮይኖም ዝመፁ፡ 1. ደጃት ወልደገብሪኤል ወዲ ሚኪኤል ስሑል ኮይኑ ቀጥታ ወራሲ ስልጣን እየ ኢሉ። 2. ደጃት ገብረመስቀል (ኣኮ ደጃት ወለገብሪኤል)፡ ድሕሪ ሞት ሚኪኤል ስሑል ‘ገዛኢ ትግራይ/ትግራይ መኮነን’ እየ ኢሉ ዝኣወጀን ንቕሩብ ግዜ ትግራይ ዘመሓደረን፣ ደጃት ገብረመስቀል ካብ ቴንቤን እዩ። 3. ራእሲ ወልደስላሴ፡ ሚኬል ስሑልን ኣቦ ወልደስላሴ ኣዝማች ክፍለየሱስን መንሓንሕቲ እዮም ነይሮም፣ ሚኪኤል ስሑል ን ክፍለየሱስ ቀቲሊዎ እዩ፣ ስለዚ ወልደስላሴ ናይ ኣብኡ ክምልስ ተላዕሉ።
ኣብ ሞንጎ እቶም መሳፍንቲ ብዙሕ ውግኣት ተኻይዱ እዩ። ፈለማ ን ሽዱሽተ ዓመት ዝኾን ደጃት ወልደገብሪኤል ከመሓድሩ ፈቲኖም ነይሮም። ደጃት ገብረመስቀል እዮም ዋና ነይሮም ዝብሉ ‘ውን ኣለው። ብዝኾነ ራእሲ ወልደስላሴ ምስ ክልቲኦም ውግእ ኣካይዶም ስዒሮም ስልጣን ጠቕለሉ “ደጃት ወልደገብሪኤል ምስ ኣኩኦም ደጃት ገብረመስቀል ኮይኖም ኣብ ገረዓልታ ምስ ራእሲ ወልደስላሴ እንትዋግኡ ከምዝሞቱ እዩ። ሽዑ ደጃት ወልደገብሪኤል ሞይቶም ራእሲ ገብረመስቀል ድማ ንኻልኣይ ግዜ ተዋጊኦም፣ ግን ንሶም እውን ተሳዒሮም።”
(ውግእ ሓደ እዞም ሰለስቲኦም ዝገበርዎ እዩ)
ካብ ጎንደር/መንግስቲ ‘ኢትዮጵያ’/ ዝመፅእ እዙይ ዝብሃል ተፅዕኖ ኣይነበረን፥ እቶም ናይ ትግራይ መኳንንቲ ዝሓየሉ ምንባሮም እዩ ዘረድአካ።
- ራእሲ ወደስላሴ ክፍለየሱስ (ካብ 1776/7- 1808 ኣዓም ወይ 1784-1816 ኣ.ፈ ኣምሓዲሮም)
ልክዕ ከም ሚኪኤል ስሑል ኣብ ጎንደር መንገስን መውረድን ወይ ዘውዲ ሰቓልን ከላእን ነይሮም። ራእሲ ወልደስላሴ ዘውዲ ዝፀዓንሎም፡ 1. ተክለጊዮርግስ (Takla Gīyōrgīs was the brother of TaklaHāymānōt II, and he was seated on the throne by Rās Walda Selassē …Wallis )፣ 2. እስቅያስ፣ 3. እጓለ ወይ ጓሉ (ራእሲ ወልደስላሴ ጓል ሃፀይ እኳሉ/ጓሉ ተመርዕዩ) ፣ 4. ሰሎሞን “This king was appointed by Walda Selassē, Rās of Tigray)፣ ድሓር እውን ጓል ሃፀይ ተክለጊዮርግስ ተመርዕዮም። መውስቦ ከም ሓደ መደላደሊ ስልጣን ዝርአ/ዝሰርሕ ምንባሩ እዩ።
- ራእሲ ወልደስላሴ ኣብ ስልጣን እንዳሃለው ድማ ብዙሓት ናይ ውሽጢ ተናሓንሕቲ ስልጣኖም ውግእ ኸፈቱ።
1. ብ1798/9 ኣቢሉ ኣብ ዓድዋ ሕዝቅያስ/ወዲ ወዶም ንሚኪኤል ስሑል/ ዓድዋ፣ ንብሩእድ ኣራም/ኣኽሱም፣ ዮሃንስን ኣዛይ ጊጋርን/ሽረ፣ ገብረኣምላክ/kella፣ ሹም ተንቤን ሳህሉ/salo ብሓባር ኮይኖም ዓሚፆም ኣብ ከባቢ ዓድዋ ብጣዕሚ ደማዊ ውግእ ተኻይዱ (Salt )
2. ኣብ ኣጋ ሞቶም ምስ እኒ ሱባጋድስን ኣሕዋቶምን ውግኣት ኣካይዶም። መጀመርታ ደቂ ሹም ዓጋመ ወልዱ ኣርባዕቲኦም ኣሕዋት ፡ ሱባጋድስ፣ ፃዕዱ፣ ገብሩ ጉራ፣ ሓጎስ … ድሕሪ ኣቡኦም ዓጋመ ንምምሕዳር ተሰሓሒቦም ብዙሕ ተዋግኡ። ኣብ ሞንጎ እዙይ ፃዕዱ ናብ ወልድስላሰ ከይዶም ምስኦም ኮይኑ ብዙሕ ግዜ ነሕዋቱ ይዋገኦም ነበረ። ሱባጋድስ ን ፅዕዱ ማሪኽዎም ኣብ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ሹም ደራ ኣባ ጎላም ‘ውን ሽዑ ተማሪኾም። ድሕሪ እዙይ ሱባጋድስ ን ወልደስላሰ ክርብሾም ምስ ጀመረ ወልድስላሰ ንዓጋመ ዘሚቶም፡ ሱባጋድስ ሃዲሙ፡ ንኣሕዋቱ ሓደሮን ብሩርን ማሪኽዕም ንሕንጣሎ ተመሊሶም። ብ1811 ገብሩ ጉራ ንወልደስላሰን ሱባጋድስን ክዕርቁ ፈቲኖም ነይሮም።
3. ብ1813 ራእሲ ወልደስላሰ ን ኣመሓደርቲ ኣፅቢ ደራ፣ ገርዓልታ፣ ሓራማትን ሰራየን ንሱባጋድስ ክወግኡ ኣዚዘሞም ኣብ ዓድግራት ከቢድ ውግእ ተገይሩ። (coffine)
(ውግእ ኽልተ ካብ ወዲወዶም ንራእሲ ሚኪኤልን ደገፍቶምን፣ ካብ ደቂ ሹም ዓጋመ ወልዱ እኒ ስባጋድስን ምስ ዝመፀ ስልጣን ናይ ምምንጣል ሕቶ ዝተኻየደ ውግእ እዩ)
ራእሲ ወልደስላሴ ስልጣን ንወዶም ደጃት ወልደርፊኤል ኣውሪሶም 1816/1808 ሞይቶም።
ድሕሪ ሞት ራእሲ ወልደስላሴ እውን ኣብ ትግራይ ሓያል ናይ ውሽጢ ስልጣን ንህንሕ ብዙሕ ደማዊ
ውግኣት ተኻይዱ እዩ።
ራእሲ ወልደስላሴ ምስ ሞቱ ተነሓናሕቲ ስልጣን ኮይኖም ዝመፁ፡
- ደጃት ወልደሩፋኤል ወዲ ራእሲ ወልደስላሴ ቀጥታ ወራሲ ስልጣን ኣብኦም
- ደጃት ገብረሚኪኤል ወዲ ደጃት ገብረመስቀል
- ደጃት ሕዝቅያስ ወዲወዶም ንራእሲ ሚኪኤል ስሑል
- ደጃት ሱባጋድስ ወዲ ሹም ዓጋመ ወልዱ
እዚኣቶም ብዙሓት ተደጋገምቲ ደማዊ ውግኣት ኣካይዶም ትግራይ ኣዝያ ተዳኺማ ድከታ ክትኣቱ ገይሮም እዮም። ኣብ ሞንጉ ደጃት ወልደርፊኤል/ወራሲ ስልጣን፣ ሹም ተንቤን ደጃት ገብረሚኪኤል/ቅሩብ ዓመት ትግራይ ዘመሓደሩ፣ ደጃት ሱባጋድስ፣ ደጃት ሕዝቅያስ፣ ኣቶ ደምሱ/ኣኩኦም ንራእሲ ወልደስላሰ፣ ኣቶ በርሀ/ቦራ ሰለዋ ክንሓንሑ ቀፀሉ።
– ብ1816 ዓም ደጃት ሕዝቅያስን (ደገፍቶም ኣኽሱምን ሽረን ሒዞም) ምስ ሱባጋድስን ደገፍቶምን ኣብ ገንደብታ ዓድዋ ተዋጊኦም።
– ብ 1816 ዓም ደጃት ሱባጋድስን ደጃት ወልደርፊኤልን ኣብ እግሪ ሓሪባ ተዋጊኦም
– መሊሶም ኣብዚዓመት ደጃት ሱባግድስን ደጃት ገብረሚኪኤልን ኣብ ገረብ ግባ ተዋጊኦም
– ብ1817 ንጉስ ተኽለጊዮርግስ ንሱባጋድስ፣ ወልደሪፋኤል፣ ገብረሚኪኤል ኣብ ኣኽሱም ዓሪቐሞም ነይሮም። ደጃት ወልደርፋኤል ልዕል ዝበሉ ኮይኖም ንዓድዋን እንደርታ ከመሓድሩ፡ ካልኦቶም ገግዝኣቶም ከመሃድሩ ወሲኖም ነይሮም። ሽዑ ንሽዑ ግን ደጃት ወለርፊኤልን ደጃት ገብረሚኪኤልን ኣብ እንዳባገሪማ ተጋጠሙ።
– ደጃት ሕዝቅያስ ንደጃት ገብረሚኪኤልን ንደጃት ወልደርፋኤልን ንምውጋእ ብቆላ ተንቤን ኣቢሎም ናብ እንደርታ ገስጊሶም ኣብ ሙጃ ተዋጊኦም ንቑሩብ እዋን ኣብ ኩሎም ልዕልነት ረኺቦም ነይሮም። ኣብቲ ውግእ ደጃት ድምፁን ድፕሎማት ኮፊንን ተማሪኾም ብ ደጃት ሕዝቅያስ። ድሕሪ ቅሩብ እዋን ግን ደጃት ሕዝቅያስ ብደጃት ገብረሚኪኤል ተስዓሩ።
– ድሓር ‘ውን ደጃት ሕዝቅያስን ደጃት ገብረሚኪኤልን ኣብ እንባ ሰነይቲ ተዋጊኦም፣ ገብረሚክኤል ልዕልነት ረኪቡ።
– ኣብ ገርዓልታ ኣብ ሞንጎ ደጃት ገብረሚኪኤልን ሱባጋድስን፡ ወዲ ሱባጋድስ ሓጎስ ሜዳ ፀበቦ ዝመርሑ ውግእ። ፅንሕ ኢሉ ኣብ ከባቢ ዓድግራት (ብዓቲ) ደጃት ገብረሚኪኤል ዝተሰዓርሉ ውግእ ተገይሩ።
– ድሕሪ እዙይ ካብ 1822 ኣቢሉ ሱባጋድስ ንትግራይ ጠቕለልዋ። ደጃት ሱባጋድስ ፅቡቕ ቅቡልነት ረኺቦም ንትግራይ ብፅቡቕ ከመሓድሩ ክኢሎም ነይሮም፥ ድሓር ምስ ገዛኢ ቤገምድር ራእሲ ማርየ ክዋግኡ ኣብ ሽረ ኸባቢ ተሰዊኦም። ድሕሪ ሞት ሱባጋድስ ንትግራይ ዘመሓደራ ደጃት ውቤ ዝተብሃሉ ወዲ ስሜን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘብፅሖ በደል ንኽተግልፆ እኳ ዝኽንክነካ እዩ። ንደጃት ውቤ ንምምካት ዝተኻየዱ ውግኣት ኣዝዮም ብዙሓትን ደማዉን እዮም ነይሮም።
ንውቤ ስዒሩ ስልጣን ዝሓዘን ዘበነ መሳፍንቲ ከብቅዕ ዝገበረን ሃፀይ ቴድሮስ እዩ። ብዘበነ ሃፀይ ቴድሮስ ንትግራይ ዘምሓድሩ ዝነበሩ እኒ ደጃት ባርያጋብር ፣ ራእሲ ኣርእያ፣ ደጃት ሃይሉ ሰለዋ ካብቶም ቀንዲ ፅውዓት እዮም። ኣብዚ እዋን ሃፀይ ይሃንስ መፂኦም።
መዝከርታ፣ ንሕና ኣብ ሞንጎና እንታኾስ ኣብ ሽዋ፣ ወሎን ቤገምድርን/ጎንደር እንታይ ነይሩ ምርኣይ ንንፅፅር ክጠቕም እዩ። ንኣብነት ኣብ ሽዋ ዝነበረ ብቐጥታ ናብ ዉሉድ ዝመሓለፍ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን እንትንርኢ ከመይ መደላድልን ሓይልን ከምዝፈጠረሎም ንርዳእ፥ ኣብየቶ ያኢቆብ – ስርወቃ- ወረደ ቃል- ወረደቃል ጓል ራእሲ ፋርስ ወ/ሮ ስላስ ወሲዱ ንኣቤቶ ነጋሲ-ነጋሲ ንሰብስቴ-ኣብዪ-ኣምሃ-ኣዝማች ኣስፋሃወሰን- ንጉስ ሳህለስላሴ-ሃይለመለኮት-ሚኒሊክ
2) ምስ ጎረባብቲ ዝተገበሩ ውግኣት
- ደጃት ወልደገብሪኤል ብ1791/92 (ብግእዝ 1773/4 ምዃኑ እዩ) ኣብ ጋሸና ምስ ራእሲ ዓሊ ውግእ ከምዝገበሩ ዝገልፅ ሰነድ ኣሎ። “ብዝ ወርሃ ተንስአ ራስ አሊ እም ጉና ወሰፈረ በንፋስ መውጫ ወፈነወሙ ለክፈው ወሌ ቀርጨም ምስለ ብዝሃን ሰራዊት መንገለ ገረገራ ወሰፈሩ ጋሸና ፣ ወብህየ ተፃብኦ ምስለ ደጃዝማች ወልደገብሪኤል ወሞኦሙ፣ ለደጃዝማች ወልደገብሪኤል ፣ ወእያትረፈ አሀደ ብእሲ” ትርጉሙ፡ ኣብዚ ወርሒ ራእሲ ዓሊ ካብ ጉና ተላዕሊሎም ኣብ ንፋስ መውጫ ሰፈሩ ክፈውና ወሌ ዝብሃሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ብዙሕ ራዊቶም ናብ ገረገራ ሰደዶም፣ ኣብ ጋሸና ድማ ሰፈሩ፣ ሽዑ ምስ ደጃዝማች ወልደገብሪኤል ተጋጠሙ፣ ደጃዝማች ወልደገብሪኤል ስዓሮም፣ ሓደ ሰብ እውን ከየትረፈ ወዲኦም/ደምሰሶም”በእውቀቱ ስዩም።
[እዞም ቦታታ እዚኦም ሐዚ እውን ተመሳሳሊ ነገር ዝተሰርሐሎም እዮም።]
- ራእሲ ወልደስላሴ ኣብ ታሪኾም ኣርብዓ ዝኾን ውግእ ኣካይዶም ኣብ ኩሉ ስዒሮም። ምስ እኒ ራእሲ ጉግሳ/ቤገምድር፣ ራስ ገብሬ/ጎንደር፣ መርእድ ኣዝማች ወሰን ሰገድ/ሽዋ፣ ራስ ሃይሉ/ላስታ፣ ራስ ዓሊ/ሊበን/ወረሂሞኑ፣ ዋግሹም ክንፉ/ላስታ፣ ወዘተ ተዋጊኦም። ንኹሎም የገብርዎም ነይሮም። ወሰን ሰገድ ናይ ሽዋ መራሒ ባራዩን ጫማን ሒዙ መፂኡ ከምዝገበረ መርዳእታ ኣሎ …… (ሓዱሽ)። ድሕሪ ወሰን ሰገድ ዝመፅ ናይ ሽዋ ንጉስ ሳህለስላሴ እምቢ ምባል ጀሚሩ ስለዝነበረ ፡ ራእሲ ወልደስላሴ ከይዶም ክወግእዎ ሎሚ ፅባሕ እንዳበሉ ኣብ ትግራይ እኒ ስባጋድስ እናዓመፁ ስለዘትከርዎም ኣብ ንግዲ መስመር ካባቢ ራያን ሰንዓፈን (ዓፋርን ሳሆን)ሸፋቱ ምብዝሖም ንዕኦም ከፅርዩን ከይከዱ ተሪፎም። (salt)
- ራእሲ ጉግሳን ራስ ገብሬን ተሓባቢሮም ወልቃይት ከምሓድሩ ፈቲኖም ብ ራእሲ ወልደስላሴ ተሳዒሮም። (ሓዱሽ)። ጉግሳ ልዕሊ 90,000 ሰራዊት ሒዙ እዩ ምስ ወልደስላሰ ተዋጊኡ ተሳዒሩ።
- ራእሲ ወልደስላሴ ምስ ራእሲ ዓሊ፣ ራእሲ ዓሊጋዝ፣ ራሲ ጉጂ ወዘተ ኣብ ድልቢ፣ ኣንጎት፣ መዘላ ኣቦ ተደጋጋሚ ተዋጊኦም ስዒሮም። ኣልውሃ ወሰኖም ኣፅኒዖም። ራእሲ ወልደስላሴ ዝሓንፀፅዎ ደንበር ትግራይ ን 150 ዓመታት ፀኒዑ ፀኒሑ። ብ1948 ተቖርሚሙ። ብምዕራብ ክሳብ ለማልሞን ጉቦታት ስሜንን ዝነበረ ድሕሪ ሞት ሱባጋዳስ ብዉቤ ንስሜን ተወሲዱ ነይሩ።
- ደጃት ሱባጋድስ ምስ ራእሲ ማርየ ተዋጊኦም። ክልቲኦም ኣብቲ ውግእ ሞይቶም።
ክሳብ ዘበነ ስባጋድስ ዝነበረ ኣብ ሞንጎ መሳፍንቲ ኣምሓራን ትግራይን ዝካየድ ዝነበረ ውግኣት ንስዕረት ሱባጋድስን ምምፅእ ውቤን ኣስዒቡ ውቤ ዓቀይቶቱ ሒዙ ንትግራይ ድከታ ክትኣቱ ዝገበረሉ ታሪኽ ተኸሲቱ።
ድሕሪ ንውሕ ዝበለ ከርፋሕ ጉዕዞ እኒ ሃፀይ የውሃንስን ኣሉላን ዝመሰሉ መራሕቲ ተፈጢሮም ንግስነት ትግራይ ናብ ቦትኡ መሊሶም ሓይልን ፅልዋን ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዝመለስሉ ኮይኑ።
ኣብዚ ግዜ ድማ ሓዱሽ ዓለማዊ ኾነታት ዝለዝተፈጠረ ምስ ‘ኮለንያሊዝምን’ ምስፍሕፋሕ ግብፅን መሃዲስት ሱዳንን ካሊእ ድሌት ናይ ደገ ወራር ንምምካት ኣዝዮም ብዙሓት ኲናታትን ጎንፅታትን ኣተኣናገድና።
[ክቡራት መንበብቲ ካብ ምምፃእ ሃፀይ ዮሃንስ ንድሓር ዘሎ ድማ ኣብ ቀፅሊ ሕታም ሒዘልኩም ክመፅእ እየ። ሰናይ ቅንያት። ]