ብዘርእሰናይ ኣለምሰገድ መስከረም 2016
መእተዊ
ኣብ ዓለም ኣብተን ዝሓለፋ 100 ዓመታት ኣብ ዉሑዳት ሃገራት ጥራሕ እዩ ፅንተት ኣጋጢሙ። ካብኣተን ሓንቲ ድማ ትግራይ እያ። እቲ ዝገርም ድማ ሃገር’ኳ ዘይኮነት። ካብ ታሪኽ ንመሃሮ ድሕሪ ፅንተት ወይ ድማ ከቢድ ኲይናት፣ ንዝነበሩ ገዛእቲ ኣታሓሳስባታትን ኣካያይዳታትን ብሩኡይ ዘይቀየረን ዘይተሰጋገረን ህዝቢ የለን። ነዚ፣ ናይ ጀርመን፣ ኮርያ፣ ሩዋንዳን ኣይሁዳውያንን ኣብነት ምጥቃስ ይክኣል’ዩ። ይኹንዳኣ’ምበር ናይ ድሕረ-ፅንተት መንገዲ ካብ ካሊእ ቀዲሕኻ ዝልጠፍ ተይኮነስ፣ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ሓቂ ተረዲእኻ ናይ ባዕልኻ ቤት ዕዮ ብምስራሕ ዝትለም እዩ። እቲ ዝምረፅ ናይ መፃኢት ትግራይ መንገዲ ንየማን ይኹን ንፀጋም፣ ንህዝቢ ብቐጥታ ዘየሳትፍ፣ ዘይፍትሓውን ዘዴሞክራሲያዊን ተኾይኑ ካብ ፅንተት ኣውፂኡ ብዉሑድ ናብ ድሕረት እዩ ክወስደና። ካብቲ ዘጋጣመ ዓፀቦ ገና ፉሑኽ ተይበልና ዝራኣዩ ዘለዉ ናይ ግዕዝይና፣ ኢፍትሓዊነት፣ ኢዴሞክራስያዊነትን ሓፈሻዊ ዕንይንይን ናይዚ ምልክታትን ሓደግኛታት ዝንባለታትን ስለዝኾኑ ቀልጢፎም ንኽእለዩ ይሕግዙ እዮም ዝበልክዎም ዉሱናት ሓሳባት ከካፍል እደሊ።
ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግራይ ኣብ ዝገበርክዎ ዑደት ኹለመዳያዊ ማህሰይቲ ዝበፅሖ፡ ግና ናይ ምንባር ተስፋን ባህግን ዘለዎ ህዝቢ ከምዘሎ ተዓዚበ። ናይቲ ህዝቢ ፅንዓት ብጣዕሚ ዘኹርዕ፣ ዝበፅሐ ዓፀቦ ድማ ብእኡ ልክዕ ዘሕዝን እዩ። ኣብ ዑደተይ ምስ ፖለቲከኛታት (ተናሓናሕቲ ሓዊሱ)፣ እተፈላለዩ ሊሂቃን፣ ሙሁራትን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብን ተራኺበ እየ። እቲ ተስፋ ዝሃበኒ ነገር ፅንዓት ዘለዎ ህዝቢ ጥራሕ ተይኮነስ፣ ብዙሓት ናይ መጓታይ ወይ ‘ክሪቲካል’ ኣታሓሳስባ ዓቕሚ ዘለዎምን፣ ፅቡቕን ናብ ቁምነገር ዝሽረፍ ሓሳባት ዝወነኑን ሰባት’ውን ረኺበ እየ። እዙይ ሃፍትን ተስፋን ትግራይ እዩ። እዚ በቢዉልቆም ወይድማ በቢጉጅለ ሓቂ ይኹን ዳምበር፣ ዓዲ ብውልቂ ወይድማ ብጉጅለ ጥራሕ ኣይህነፅን። ንዘለውና ሓስባትን ክብርታትን ዝጥርንፍን ዝውድብን ኣካይዳ የድሊ።
ብፍላይ ድማ ሎሚ ኣብ ፅባሕ ኲናትን ናይ ስግግር ሃዋህውን ኮይና፣ ህዝብና’ኳ ዘይክኣል ኪኢሉ፣ ምስ ማዓት ፀገሙ ተዓጊሱ ምርሑኒ ናበለ፣ መራሕትን ሊሂቃንን ግና ነዚ ምግባር ዳርጋ ኣብዩና ኣብ ዕንይንይ ዝኣተና ንመስል። ዋላኳ እቲ ዋና ሓላፍነት ናይ ኣብስልጣን ዘለው መራሕትን ፖለቲከኛታትን ተኾነ፣ እቲ ኻሊእ ሊሂቅውን ግዲኡ ክወስድን ዕድል ክወሃቦን ንሱ’ውን ግቡኡ ክገብር ይግባእ። ኩላህና ናይ ውልቅናን ናይ ጉጅለን ጉዳያት ማእኸል ‘ተይገበርና ኣብ’ቶም ዓበይትን ዘለቕትን ናይ ህዝቢ ፀገማት ‘ተዘይሰሪሕና መውደቒና እዩ።
ካብቲ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዝውቱር (pervasive) ኮይኑ ዝተዓዘብክዎ ሕመቕ ሓደ ፀለመን ንባዕልኻ መልምዒ ንኻሊእ መጥፍኢ ጌርካ ናይ ምሕሳብ ዝንባለ’ዩ። “ናተይ ጌጋ ኸ ‘ታይ ይኾን” ዝብል ሰብ ቡዙሕ ኣይሰማዕኹን። ኣብ ፅባሕ ፅንተት፣ ከቢድ ውግእን ጉድኣትን እዚ ባህርይ ክመፅእ ትፅቢት ዝግበረሉን ዘይገርምን ‘ተኾነ እኳ፣ ስፍሓቱ ግን መሰከፊ እዩ። ሓቂ እዩ፣ ኣብ ኩሎም ዓይነት ጉዳያት ክንመያየጥ ክንከራኸርን፣ ክንነቓቐፍን ፀገም የብሉን። ግና እዚ ኣካይዳ ልዕሊ ፀለመ ንዘሎ ስትራተጂካዊ ቁምነገር ‘ተዘይጠሚቱ ትርጉም የብሉን። ኽጎድአና እዩ’ውን። ግዜን ሃብትን ዉሱን ስለዝኾነ ኣብተን ናይ ሁፁፅ ጉዳያት ድማ ኣድሂብናን ‘ታይ ኣበርክቶ ጌረ ኢልና ተሓተትናን ትኽክል ይመስለኒ።
ናይኩላህና ጊዜ ዘይህቡን ፈተንትን ፀገማት ህዝቢ ትግራይ
ትግራይ ቡዙሓት ዓበይትን ጊዜ ዘይህቡን ፀገማት ኣለውዋ። ይኹንዳኣ ‘ምበር ኩሉ ብሓንሳብ ስለዘይፍታሕ፣ ዘይሓድር ንብሎ ነገር ኽነንጽር ኣለና። ‘ተን ዓበይቲ ጉዳያት፣ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ዝጠመዩ ምምጋብ፣ ዝተወግኡ፤ ስድራ ስውኣትን ዝተደፈራን ምሕብሓብን ምዕንጋልን እየን። ‘ዞም ወገናት ኣብ ኣካላዊን ህሊናዊን ስቓይ ኢዮም ዘለው። ‘ቲ ንሕና ንጨቓጨቐሉን ኣብ ፌስቡክ ፖስት ‘ንገብሮን ጉዳያት ናብርኦም እምበር ናይ ኣእምሮ ልምምድ (brain exercise) ኣይኮንነን። ነቲ ጭቕጭቕና ንምርኣይ ዝኽእልሉ መገዲ እኳ የብሎምን። ግና ካባና ቡዙሕ ተስፋ ይገብሩ። ናብ ሓዲኡ ናይ ተፈናቐልቲ መዕቖቢ ብምኻድ ጥራሕ ነዚ ሓቂ እዚ ምርግጋፅ ይከኣል። ስለዚ ዋላ ብዘከራኽር ‘ናተኸራኸርና ብዛዕባ ‘ዞም ወገናት ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና።
በብመድረኹ ብዛዕብኦም ቡዙሕ ንዛረብ ኢና ። ግና ኣብዚ ዘየፈላልይን ሁፁፅ መፍትሒ ዘድልዮን ፀገም ንኹሉ ዘሳትፍ ፍኖተ-ካርታ ኣይቀረፅናን፣ ‘ታሃልዩ ድማ ዕላዊ ይገበር። እቲ ዛጊድ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዝተወደበን ኣሳታፋይን ኣይመስለንን። ብፍላይ መንግስቲ ኣብ ፍኖተ ካርታ ምድላው ናይ መሪሕነት ግደ ክፃወት፣ ቀፂሉ ድማ ውዱባትን ካልኦትናን ኣብቲ ዝወጸ መደብ ክንረባረብ ይግባእ። ኣብዚ ከቢድ ናይ ሕበረተሰብና ፀገም ‘ተይሓበርና ኣብ ካሊእ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢለ ኣይኣምንን።
ብተወሳኺ ኣብ ጉዳያት ምምላስ ሕጋዊ ግዝኣት (ምስ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ዝተሓሓዝ)ን ዳግመ ህንፀትን፣ ሓድነት ጥራሕ ተይኮነስ ንፁርን ዉዱብን ፖለቲካዊን ሳይንሳዊን ኣመራርሓ የድሊ። ብፍላይ ‘ት ዳግመ-ህንፀት ንሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ናይ ትግራይ መፃኢ ኣብግምት ኣእቲኻ ብዝተዳለወ ፍኖተ-ካርታ ክምራሕ ኣለዎ። ክሳብ ሕዚ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ዓበይቲ ጉዳያት ዝቃወም ትግራዋይ ኣይሰማዕኹን’ሞ፣ ናይ ኩሌና ኣበርክቶ ምጥቃምና ምረግጋፅ የድሊ። ንዘን ከበድቲ ናይ ህዝቢ ጉዳያት ንናይ ውልቀ ወይ ጉጅለ ዕላማታት ንጥቀመለን ተኾይንና ግና ጌጋ፣ ሙስልይነት፣ ስስዐን ጥራሕ ተይኮነስ ግፍዒ ኢዩ።
ኣብዘን ናይ ኩላህና ጉዳያት ቀልጢፍና ብሓድነትን፣ ካሊእ ኣፈላላይ ኣካኣኢልና ተዘይሰሪሕና ‘ታዘላ ምልእቲ ዘይኮነት ሰላም’ውን ኣይትቕፅልን። ናይቶም ዝጠመዩ፣ ተፈናቐልቲ፣ ዉጉኣት፣ ስድራ ስዉኣትን ዝተደፈራን፣ ናይ ምሽካም ዓቕሚ ተወዲኡን መኺኹን ናብ ዉሑጅ ተለዊጡ ንኹሌና ክጉሕፈና እዩ። ብዘይዳግመ ህንፀት ድማ መረረት ፀገም ናብራን ስእነት ፍትሕን ናይቲ ካሊእ ኣብዘሓ ህዝቢ ናብ ናዕቢ ተቐይሩ፣ ናብቲ ዉሑጅ ተሓዊሱ ዝገደደ ማዕበል ምፍጣሩ ኣይተርፍን።
ናይዚ መፍትሒ ሓንቲን ሓንቲን እያ። ነተን ዘየፈላልያ ሽግራት ንምፍታሕ ብሕብረት እሂን ምሂን ተባሂልካ ናብ ተግባር ምእታው። ኣብ’ዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ጉዳያት ብሓድነት ተሰሪሕና ናይ ሰላምን ልምዓትን መስኮት ንኸፍት። ‘ታመስኮት ግና ናብ ገፋሕ ኣፍደገ፣ ኢላ ድማ ናብ ናይ ኩላህና ገፋሕ ገዛ ኽትምዕብል ይግባእ። ትግራይ ኩሎም ደቃ የድልዪዋ እዮም። እሂን ምሂን ምግባር ዝካኣል ግና ዴሞክራሲያዊ መድረኽ ‘ተሃልዩ እዩ። ብውሑድ ትኸይዲ ናይ ዴሞክራሲ ተተጀሚሩ እዩ። ንኣብነት ሎምቅነ ዝነበረ ዘሐዝን ተርእዮታት ናይዚ መድረኽ ዘይምህላው ዉፅኢት ምዃኑ ግልፂ እዩ። ዛጊድ ዝኸፈልናዮ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ ንህዝብና ዴሞክራሲ ይውሕዶ’ምበር ኣይበዝሖን።
ህፁፅ ኣድላይነት ምስፋሕ ምህዳር ዴሞክራሲን ምጥያሽ ናይ ህዝቢ ቤት-ምኽሪን
1) ምስፋሕ ምህዳር ዴሞክራሲ
ኣብ’ዞም ኣብላዕሊ ህፁፅ ዝበልናዮም ጉዳያት ክንሰርሕ ተለና፣ ዴሞክራሲን ፍትሕን ንድሕሪት ከይተርፉ ምጥንቃቕ የድሊ። ንዝረኣዩ ዘለው ምልክታት ናይ ኢዴሞክራሲያዊነትን ኢፍትሓዊነትን ቀልጢፍና ክንኣልዮም ይግባእ። ዴሞክራሲ ኸይዲ እምበር ጀሚርካ ዝውዳእ ስራሕ ኣይኮነን። ኸይዲ ግና ኸይዲ ዝብሃል ተተጀሚሩ ጥራሕ እዩ።
ነዚ ክቕልሱ ናይ መሪሕነት ሓላፊነት ዝወስዱ ፖለቲከኛታት ድማ፣ ብፍላይ ሲቪክ ማሕበራትን ዴሞክራሲያዊ ትካላት ኣብዘይማዕበልሉ ኹነታት፣ ገዚፍ ግደን ሓላፊነትን ኣለዎም። እሞ ንዴሞክራሲን ፍትሕን ይፅናሕ ስለዘይብሃል (ንሱ ማለት ንሰባት ምሕሳብ ደው ኣብሉ ማለት ስለዝኾነ)፣ ኣብ ትግራይ ሕዚ ታይ ይሰራሕ? ‘ትናይ ሎሚቕነ ዘሐዝን ነገር ንኸይድገም ድማ ‘ታይ ንግበር? ቅድሚ ኹሉ ንህዝቢ ትግራይ ማእኸል ምግባር፤ ‘ትዘለናዮ ጊዜን ጎደቦን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው፣ ኣብቶም ህፁፃት ጉዳያትን ኣብ ፍትሕን ዴሞክራሲን ምህናፅ ፈላላይ ዘይምግባር። መንግስቲን ውድባትን ድማ ነቲ ኸፍፅምዎ ዝደልዩ ጉዳያት ዝጥርንፍን ዘብርህን ዕላዊ ዝኾነ ፍኖተ ካርታን ማኒፈስቶን ንህዝቢ ብዝግባእ ንኸፋልጡ ምድፋእ።
ትግራይ ንነዊሕ ጊዜ ብሃለስላሴን ደርጊን ድሕሪ 1983 ድማ ብሓደ ውድብ እያ ተመሪሓ። ታሪኽና ዘርእዮ ትግራይ ናይ ቡዙሃነ-ፓርቲ ስርዓት ምስትንጋድ ልምዲ ከምዘይብላ እዩ። ስለዚ ናይ ቡዙሃነ-ፓርቲ ፖለቲካ ዝመስል ኣካይዳ ሎሚ ዓንቀፍቀፍ ተጋጠሞ ዝገርም ኣይኮነን። ክገርም ዝኽእል ነቲ ዓንቀፍቀፍ ንፈትሐሉ መንገዲ ጌጋ ተኾይኑ እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዋላኳ መብዛሕቶም ኣባላት ካብ ህወሓት ተኾኑ፤ ናይ ፖለቲካ ታሪኽና ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብቲ ውሽጢ ዘሎ ናይ ኣታሓሳስባ ተዋፅኦ ዝናዓቕ ኣይኮነን፣ ፅቡቕ እዩ’ውን። ከም ናይ ዴሞክራሲ ፈልሲ/መበገሲ ኮይኑውን ከገልግል ይኽእል’ዩ። ዋላኳ እቲ ኣካይዳ ኮንፈረንስ ምምስራት ጊዝያዊ መንግስቲ ሽግር ኔርዎ ኢለ ዝኣምን ተኾንኩ፣ ብናተይ እምነት ናይ ትግራይ ኹነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ንዘሎ ተቐቢልካ፣ ብናይ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ደጊፍካ ምቕፃል ናይ መንጎኛ መንገዲ (compromise) እዩ ኢለ ይኣምን። በዚ ኣጋጣሚ መብዛሕቶም ተናሓናሕቲ ዉድባት ናብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዘይምእታዎም ብናተይ እመነት ጌጋ እዩ እየ ዝብል፣ ዋላ እቲ ኸይዲ ምስረታ ፀገም ተነበሮ። ውሒዱንያ ተብልኩስ ተቖርሚሙኒ ከምዝብሃልዩ፣ ንሳቶም ዘይም እታዎም ድማ ዚያዳ ነቲ ምህዳር ረቂቕ ወይ ቁርሙም ገይርዎ ኣሎ።
እቲ ዝቕፅል መንግስትን ናይ ፖለቲካ ስልጣንን ግና፣ ናይ ፖለቲካ ፕሮግራም ቀሪፆምን ተወዳዲሮምን ብዝምረፅ ኣካላት እምበር ብወከልቲ ነጋዶ፣ ሰራዊት፣ ሞሁራት ወዘተ ክታሓዝ የብሉን። ይኹን ደኣ ‘ምበር ‘ዞም ኣካላት እዚኦምን ካልኦት ናይ ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ናይ ዴሞክራሲ ምህዳር ምግፋሕ ዕዙዝ ግደ ክፃወቱ ይኽእሉን፣ ኣለዎምን።
2) ካብ ህዝቢ ዝተዋጸአ ቤትምኽሪ ብህጹጽ ብዛዕባ ምምስራት
ኣድላይነት ናይ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ዳርጋ ኩሉ ዘዛረብክዎ ኣካል ይስማዕማዓሉ እዩ። ናይዚ ረብሓውን ንፁር እዩ። ትግራይ ዝተመረፀ ቤት ምኽራ ኣፍሪሳ፣ ኣብ ፌደራል ተወካሊ ዘይብላን፣ ውሁድ ብዘይኮነ ጊዝያዊ መንግስቲ እያ ትምራሕ ዘላ። ስለዚ ነቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዘማኽሮን፣ ዝሕግዞን ኣድላዪ ተኾይኑ ድማ ዝግስፆ ኣካል የለን። እዚ ኣካይዳ ድማ ኣይሽምባይዶ ንዘይድልዱልን ዘይተመረፀን መንግስቲ ንዝተመረፀውን መሸገሪ እዩ። ህላወ መስርሕ ቑፅፅርን ሚዛንን (check and balance) ንኹሉ ረብሓ ኣለዎ።
ስለዚ ካብ ኩሉ ብዓል ግደ፣ ብእሂን ምሂን ዝተዋፀአ ቤትምኽሪ ብቑልጡፍ ምምስራት የድሊ። ነዚ ቤት ምኽሪ ናይ ሞራል ስልጣን ንኽልዎ ምግባር ጥራሕ ተይኮነስ፣ ምስ ወረዳታትውን ረኽቢ ናገበረ እቲ ሕዚ ኣብ ጊዝያዊ መንግስትን ወረዳታትን ጣብያታትን ዘሎ ዝላሕለሐ ፅምዶ ከጠናኽርን ሓጓፍ ክመልእን ይኽእልዩ። ትፈፃማይ ኣብናይ ፈፃምነት ስርሑ ክፅመድ ተሎ ድማ ንዝፍጠሩ ሽግራት ህድእ ኢሉ ናይ ምምርማርን መፍቲሒ ሓሳባት ናይ ምድላይን ስራሕቲ ክነጥፍ ይኽእል። ነቲ ዘሎ ናይ ህዝቢ ውክልና ጉድለትውን ብተወሰነ መልክዕ ኣስተኻኺሉ፣ ንኸዪዲ ፍትሒ፣ ንዝግበር መረፃን ንኻሎኦት ቀፀልቲ ልምምድ ኸይዲታት ዴሞክራሲውን ብጣዕሚ የሕግዝ እዩ።
ቃለ-መሕተት ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ን ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ውድባትን
ኣብዚ ሰሙናት፣ እዘን ክልተ ነገራት ትኹረት ሚድያ ሲሒበን ኔረን። ቀዳማይ፡ ብፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ድሕሪ 5 ወርሒ ዝተገበረ ሓፈሻዊ ቃለ-መሕትት እንትኾን። ‘ቲ ካልኣይ፡ ተናሓናሕቲ ውዱባት “ኪዳን ንሱር ቦቀስ ለውጢ” ኢሎም ዝፀውዕዎ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ። ኣብ ዙርያ እዘን ክልተ ጉዳያት ብዓይኒ ከይዲ ፍትሒን ዴሞክራሲን ዘለኒ ሓሳባት ከካፍል ይደሊ። ዋና ዓላማይ ፅቡቓት ነገራት ተዓቂቦም ፀገማት ድማ ንኽእረሙ እዩ።
1) ኣብ ዘይፈላልይ ነገር ዘይምፍልላይ
ቃለ-መሕተት ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ጉዳያት ዘተኮረ ኾይኑ፣ ‘ተን ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎንን፣ ከፈላልያና ዘይግብኣን ነጥቢታት ማለት፣ ንተፈናቐልቲ ናቦትኦም ምምላስ፣ ዝጠመዩ ምምጋብ፣ ዝተወጉ፤ ስድራ ስውኣትን ዝተደፈራን ምሕብሓብን ምዕንጋልን ምምላስ ሕጋዊ ግዝኣትን ዳግመ ህንፀትን ብሰፊሕ ተዳህሲሱ እዩ። ኣብኡ ብዙሕ ዘፈላልይ የብለይን። ደጊመ ከስምረሉ ዝደሊ ግና፣ ነዘን ዓበይቲ ጉዳያት እዚአን ንምምራሕ ኣሳታፊን ዕላውን ዝኾነ ፍኖተ ካርታ ናብ ህዝቢን ናብ ሰብ ግደን (stakeholders) ብቑልጡፍ ክዝርጋሕ ከምዘድሊን እዩ።
2) ይቕሬታ ምሕታት ናይ ስልጣነ ምልክት ምዃኑን ትርጉሙን
እቲ ጊዝያዊ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ንነዊሕ ጊዜ ብሚድያ ስለዘይተራኸበ ፕሬዝድነት ጌታቸው ብይቕረታ እዮም ጀሚሮም። ኣብ ሕሉፍ ‘ውን ድሕሪ ምፍራም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተፈጢሩ ንዝነበረ ናይ ኢንፎርሜሽን ሓጓፍን ዝሰዓበ ምድንጋር ኣመልኪቶም ይቕሬታ ሓቲቶም ኔሮም። ብተወሳኺ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዳያስፖራ ኣብዝገበርዎ ፅምዶ ነቲ ይቕሬታ ደጊሞም ኣስሚሮምሉ። ከምዚ ዝበለ ናይ ይቕሬታ ምሕታት ባህሊ ስልጡንን ንህዝቢ ዘለካ ኽብሪ ዘርእይ ስለዝኾነ፣ ፕሬዝደንት ጌታቸው ክምስገኑ ይግባእ። ነዚ ቁቡል ጌርካ ድማ ይቕሬታ ምሕታት ትርጉም ዝህልዎ በቲ ጌጋ ተናሲሕኻ ዘይድገም ተኾይኑ እዩ። ናይ ኢንፎርሜሽን ሓጓፍ ዘይፍጠር፣ ስርዓት ዘለዎን እዋኑ ዝሓለወን ተኸታታላይ ምስ ሕዝቢ መራኸቢ ናይ ኮሙዩኒኬሽን ኣሰራርሓ ተተፈጢሩን ሚድያታት ብነጻነት ሓበሬታ ክረኽባን ክሰርሓን ተኺኢለን እዩ። ህዝቢ ድማ ዝዓግብ ሓበሬታ ኣብ ዝግቦኦ ጊዜን ቦታን ክረክብ ተተጌሩ እዩ። ሽዑ እዩ ‘ቲ ይቕሬታ ‘ውን ሙሉእ ትርጉም ዝህልዎ። ‘ተዘየለ ካብቲ ዝተለመደ “በስቢስና ኢና ግና ህዝቢ ይቕሬታ ጌሩልና” እናበልካ ምምልላስ ኣይፍለይን። ስለዚ ፕሬዝደንት ጌታቸውን መንግስቶምን ምስ ህዝቢ በቢጊዚኡ ዝራኸቡሉ ኣሰራርሓ ከመቻችውን ንናይ ሚዲያ ነጻነት ክሰርሑን ይላቦ። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲ ‘ውን ዓብይ ግደ ኣለዎ።
3) ናይ ውልቀ ቤት-ማእሰርትን ወንጀለኛ ኣብያተ-ፍርድን ኣብ ትግራይ
ካሊእ ፕሬዝደንት ጌታቸው ዘትኮሩሉ ነገር ኣብ ትግራይ ናይ ውልቀ ቤት ማእሰርቲታት ኣለው ዝብል እዩ። እዚ ብጣዕሚ መደንግፂ ጥራሕ ተይኮነስ “ናይ ብሓቆም ድዮም?” እዩ ዘብል። መንግስቲ ቀንዲ ስርሑ ናይ ዜጋታት ብሂወት ምንባር ምርግጋፅ ስለዝኾነ፣ ‘ዞም ወነንቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ሓደገኛታት ስለዝኾኑ፣ ትዋና ሕቶ ፕሬዝደንት ጌታቸውን መንግስቶምን ታይ ይፅበዩ ኣለው እዩ። ‘ቶም ገበኛታት (shady figures) ብሹም ከምዝፍለጡን፣ ናይ መንግስቲ ደሕንነት’ዮም ‘ናተባሃሉ ከምዝፅውዑን፣ ገገሊኦምውን ከምዝተታሓዙን ኣብሪሆም። ሙሉእን ቅልጡፍን ሱጉምቲ ዘይውሰደሉ ምኽንያት ‘ቶም ገበነኛታት ዘለዎም ዓቕሚ ምስናይ መንግስቲ ዝተኻኸል ተኾይኑ፣ መፍቲሒኡ ብግልፂ ምስ ህዝቢ ተመኻኺሪካ፣ ነቲ ኣካል ሹሙ ብዕሊ ፀሪሕኻ፣ ንህዝቢ መሪሕኻን ወዲብካን ምቅላስ እዩ።
ተዘየለ ግና ናይ ውልቀ ቤት ማእሰርቲ ኣሎ ናበልካ ንህዝቢ መን ምዃኑ ዘይምግላፅ፣ ምስናይ ዜጋታት መሰረታዊ ናህልውና መሰል ይፃረር እዩ። ምኽንያቱ ሓደጋ ካብ መንን መዓዘን ከምዝመፅእ ስለዘይፍለጥ። መንግስቲ ንህዝቢ ሓግዘኒ ኢሉ ብዕሊ ይሕተት። ህዝቢ እዚ ሰሚዑ ክድንግፅ እዩ ዝብል ሓሳብ ተሃልዩ፣ ህዝቢ ካብኡ ዝገደደ ተሸኪሙ ከምዝኸይድ ምዝካርን፣ ህዝቢ ወላዳይ፣ መንግስቲ ድማ ተወላዳይ ምዃኑ ምዝካርን የድሊ። ነዚ እዩ’ውን ትሓቂ ንህዝቢ ተይመሰየ ምንጋር ኣድላዪ ዝኸውን። ዳሕራይ መፂኻ ይቕሬታ ምሕታት ቡዙሕ ትርጉም የብሉን። ከምከይዲ ድማ ናይውልቀ ቤት ማእሰርትን “criminal enterpirse” ዝኾና ኣብያተ ፍርድታትን ሒዝካ ፍትሕን ዴሞክራሲን ምህናጽ ዘይሕሰብ እዩ። ምስቲ ዓብዪ ተስፋን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ይራፅም’ዩ።
4) ስርቂ ረዲኤት እኽልን ካልኦት ጉሕለታትን ኣብ ትግራይ
ሳልሳይ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ዘልዐልዎ ነገር ስርቂ ናይ ረዲኤት እኽሊ ሓቂ እዩ ጥራሕ ተይኮነስ ብቶም ኣብ ናህና መሓውር ዘለው ኣካላት ዝተገበረ ጉሕለት ካብቲ ብሻዕብያ ዝተገበረ ዘይንእስ ምኻኑ እዩ። እዚ ይቕረ ዘይብሃል ናይ ግዕዝይና ጫፍን ግፍዕን እዩ። ከምቲ ኣብ ቁጽሪ 2 ዝተጠቐሰ ህዚውን ናይ ዓቕሚ ምንኣስ ተኾይኑ፣ ትጉዳይ ብዕሊ ገሊፅካ ናይ ህዝቢ ሓገዝ ምሕታት እዩ። ተዘየለ ቶም ጎሓሉ በቲ ዝሰረቕዎ ንዋት ተጠቒሞም ኽግብሉ እዮም። ምስቶም ናይ ውልቀ ቤት ማእሰርቲ ዝውንኑን ምስቶም ናይ criminal enterpirse ዝኾኑ ኣብያተ ፍርድታትን ተሓባቢሮም ንመንግስቲን ህዝቢን ኣብ ዝገደደ ሓደጋ ከእትዉ እዮም። ንናይ ሻዕብያ ሰራዊት ናይ ምብራስን ምጉሓልን ዓቕሚ ንፈልጦ ኢና። ጀሪካንን ኮምፕዩተርን፣ ከፍቲን እኽሊን ዘይፈሊ ጨካን ምኻኑ ግልፂ እዩ። ናይ ረዲኤት ቀረብ ድማ ጡርኑፉን ንምጉዕዓዝ ቀሊል ስለዝኾነ፣ ሓጢጡ ኽምዝወስዶ ፍሉጥ’ዩ። እሞ ኣብ ናህና መሓውር ዘለው ጎሓሉ ክንዲ ሻዕብያ እንትሰርቁ ካብ ህዝቢን መንግስቲን ዓይኒ ክሕባእ ኣይኽእልን።
እዚ ጉሕለት ኣብ ናይ ረዲኤት እኽሊ ጥራሕ ደው ኣይብልን፣ እቲ ፀገምውን ገዚፍ ከምዝኾን ምግማት ከቢድ ኣይኮነን። ፕረዝደንት ጌታቸው እውን ብዛዕባ ስርቂ ሓፂን መፂን ጠቒሶም ኔሮም። ብሚድያውን ዛጊድ ወፂኡ ኣሎ። ብናይ ፈፃማይ ስልጣኖም ተጠቒሞም ‘ውን ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ገሊፆም። ዋላኳ እቲ ናይዓቕሊ ፅበት ስጉምቲ ኽረዳእ ተፈተንኩ፣ ንናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ብናይ ፈፃሚ ውሳነ ምትካእውን ናይ ባዕሉ ዓብዪ ፀገም ኣለዎ፣ ፅቡቕ ቅድመ-ኹነት (precedence) እውን ኣይገድፍን። መፍቲሒኡ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ስርዓታዊን ‘ዩ። እሞ ታይ ኢና ንፅበ ዘለና? ንምንታይ ኩሎም ኣብ ቁፅፅር ኣትዮም ብሚዲያ ንህዝቢ ዘይጋዋሕ? ዳሕራይ ይቕረታ ምሕታት ትርጉም የብሉን ጥራሕ ተይኮነስ፣ ‘ዞም ጎሓሉ፤ ሰብዋና ቤትማእሰርትን ናይ criminal enterpirse ዝኾና ኣብያተ ፍርድታትን ሒዝካ፣ ናብ ይቕሬታ ናሓተሉ ጊዜውን ክምህዝቢ ኣይንብጽሕን። እዝይ ሒዝካ ፍትሕን ዴሞክራሲን ምምፃእ እውን ዘይሕሰብ እዩ።
5) ሰላማዊ ተቓውሞ ሰልፊ ውድባትን ትርጉሙን
ካሊእ ፕሬዝደንት ጌታቸው ብሰፊሕ ዝዳህሰስዎ ዓብዪ ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ብሹም “ኪዳን ንሱር ቦቀስ ለውጢ” ተባሂሉ ብሰለስተ ውድባት ተፀዊዑ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ግን ብሓይልታት ፀጥታ ዝተኸልከለ እዩ። እቲ ቓለ መሕተት ቅድሚ ‘ቲ ሰልፊ እዩ ተገይሩ። ፕሬዝደንት ጌታቸው ከም መትከል መሰል ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ብዘይ ገደብ ተቐቢሎም፣ ጊዚኡን ቦቱኡን ግና ተቐባልነት ክምዘይብሉን፣ ግልፂ ዝኾነ ስግኣትን ፀገምን ድህንነትን ፀጥታን ከምዝነበረን ገሊጾም። ምስ መብዛሕቱ (ዳርጋ 30 ዝኸውን) ናይቶም ተቓወምቲ ጭርሖታት ‘ውን ኣፈላላይ ከም ዘይብሎም ኣብሪሆም። ብዛዕባ ትርጉም ሱር ቦቀስ ለውጢ ‘ውን ተወሰነ ሓሳብ ሂቦም። ኣብቲ ፀገም ፀጥታ ፣ ንቶም ተነሓናሕቲ ውድባት ተይኮነስ ንናይ ደገ ሓይልታት እዮም ከም ፀገም ጠቒሶም።
ፈለማ ትፕሬዝደንት ጌታቸው ዝጠቐስዎ ናይ ፀጥታ ፀገም ዘይግመት ኣይኮነን ኢለ ይኣምን። ካልኣይ ትናይ ግዝያዊ መንግስቲ ተይተቦቀሰ ዝተዋሃቦ ሓላፍነት ዛዚሙ (ብቤት-ምኽሪ ተደጊፉ)፣ ስልጣኑ ብሰላም ንዝተመረፀ መንንግስቲ ከማሓላልፍ ንክኽእል ኩሉ ከሕግዝ ኣለዎ ኢለ ይኣምን። ተቓወምቲ ናብቲ ግዝይዊ መንግስቲ ዘይምእታዎምውን ጌጋ እዩ ኔሩ ዝብል እምነት ‘ውን ኣለኒ። ዋላ እቲ ኸይዲ ምስረታ መንግስቲ ሽግር ከምዝነበሮ ተቐቢለ። ሱር ቦቀስ ለውጢ ማለት ክሳዕ ኣነ ዝፈልጦ ብማኒፌስቶ ስለዘይተዘርዘረ ትርጉሙ ካብተን ቃላት ወፃኢ ብዙሕ ምትንታን ኣይክእልን። መብዛሕተን ‘ተን ጭርሖታት እኳ ህዝባዊ ተኾና፣ እቲ ገዛኣይ ጭርሖ ታይ ቦቂሱ ታይ ከምዝተክል ንዓይ ግልፂ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ነቲ ዘሎ መግስቲ ምስለኔ ኣናበልካ ምፅዋዕዉን ጌጋ ይመስለኒ። ብናተይ እምነት ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝፈጠሮ ድማ ምስ ፀገማቱ ናይ ተጋሩን ትግራይን መንግስቲ እዩ።
እዚ ቁቡል ጌረ ግና ኣብቲ ሰልፊ ዝተራኣየ ነገራት ብጣዕሚ ዘሰክፍን ዘሐዝንን እዩ። ፈለማ መንግስቲ ነቲ ሰልፊ ምኽልካሉ ትኽክል ኣይመስለንን። ቦታን ሰዓትን ክንመርፀልኩም ምባል ‘ውን ዴሞክራሲያዊ ኣይኮነን። ‘ቶም ተነሓናሕቲ ዝመረፅዎ ቦታ ናይ ህዝቢ ኣደባባይ እዩ። ከምዚ ዓይነት ቦታ ድማ ኣብ ሙሉእ ዓለም ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝግበረሉ ይፍለጥ። እቲ ወፂኡ ዝነበረ ናይ ፖሊስን ሓይሊ ፀጥታን ነቲ ሰልፊ ኣይትግበሩ ንኽብል ካብ ምእዛዝ ነቲ ሰልፊ ፈቒድካ ሓላዊ ስርዓት ምግባር ይክኣል ኔሩ፣ እቲ ውፅኢት ‘ውን ዝሓሸ ምኾነ። ብፍላይ ኣብ ሚድያ ዝተረኣይ መውቓዕትን ማእሰርትን ዝግባእን ተመጣጣኒን ኣይነበረን። ‘ቲ ግዝያዊ መንግስቲ ሓደ ስርሑ ንዴሞክራሲ ምውላድ ስለዝኾነ፣ ንኸምዚኦም ዝመሰሉ ሰልፍታት ተኸልኪሉ እቲ ናይ ዴሞክራታይዜሽን ኸይዲ ሩሕቕ ኣይኸድን። ብፖሊስን ብኻልኦት ሰብስልጣናት ዝወሃቡ ዝነበሩ ተወሰኽቲ ምኽንያታት፥ ንኣብነት በዓል’ዩ፣ ናይ ቀዳማይ ወያነ መዓልቲ እዩ፣ ልሙፅ ባንዴራ ሒዞም ወዘተ ዝብሉ ማይ ዘይቛጽሩ ምኽንያታት ምስማዕና ድማ ብሱሩኸ ናይ ፍቓድ ምሃብ ድልየት ኔሩዶ ኢልካ ንምሕታት የግድድ።
ከም እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንትግራይ ናብ ዴሞክራሲ ናይ ምስጋር ዕላምኡ ንኸዐውት ዝምነን ክሕግዝ ዝደልይን ሰብ፣ ሲቪላት ክውቅዑ ምርኣይ ከቢድ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብኻልኦት እኹል ተወቒዑ እዩ ጥራሕ ተይኮነስ፣ እኹል ምኽንያት ኣይነበረን። ካብቶም ዋና ዋና ዕላማታት ጊዝያዊ መንግስቲ ድማ ናይ ውድባትን ውልቀሰባትን መሰል ምሕላው እዩ። ሕዚውን ካብዚ ተማሂርና ዝተኣሰሩ ይፈትሑ፣ ዝቖሰሉ ይተሓከሙ፣ ዘየድሊ ሓይሊ ዝተጠቐመ ኣካል’ውን ናብ ፍትሒ ይቕረብ።
ቅኑዕ ፖለቲካ ንዓድን ህዝብን ይረብሑ እዮም ዝበሃሉ ሓሳባት ቀሪፅካን ተወዲብካን ኣብዝሓ ህዝቢ ክድግፈካ ጌርካ፣ ስልጣን ሒዝካ ነቲ ዝተቐረፀ ሓሳብ ናብ ባይታ ምውራድ ማለት’ዩ። እዚ ንምግባር ድማ ኣብ ናይ ዴሞክራሲ ምህዳር ምውድዳር ናይ ግድን እዩ። እቲ ምህዳር ቡዙሕ ነገር ይሓትት ። ይኹን’ምበር ክልተ ነገራት ብጣዕሚ ቁልፊ እየን። ፍትሒን ሚድያን።
ፖለቲከኛታት ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስለዝገበሩ ዝእሰሩ ተኾይኖም ፍትሒ የለን። እዚ ድማ ዴሞክራሲ የለን ማለት’ዩ። ብተወሳኺ ናፃ ሚድያታት ተዘይሃልየን ናይ ውድባት ሓሳብ ምህዳር ረኺቡ ክንሸራሽር ኣይኽእልን። በቲ ሓደ ገፅ ድማ ምስናይ ፍትሒ ኣካላት ምኽንያታዊ ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ ግትግት ምእታውን ዘሎ ናይ ሚድያ ዓቕሚ ንጥፍኣትን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን ምጥቃም ንምህናፅ ዴሞክራሲ ኣይሐግዝን። ዓቃቢ ሕግን ናይ ፍትሒ ተግልጋላይን ነናቶም ሓላፍነት ኣለዎም። ስለዚ ኣብዚ ሰሙን ዝረኣናዮ ነገር ከም ኣብ ኸይዲ ምምስራት ዴሞክራሲ ዘጋጥም ሓርጎፅጎፅ ቆፂርና፣ ገምጊምናን ተማሂርናን ግና ከምዘይድገም ተኣማሚና ንቕድሚት ንኺድ ይብል።
መደምደምታ
እዘን ኣብ ላዕሊ ዘልዐልክዎን ዉሱናት ነጥቢታት፣ ነቲ ዘሎ ፀገም ኸይዲ ናይ ፍትሒን ዴሞክራሲን ከም መርኣያ ተጠቒመለን እንምበር ናይ ህዝብና ጉድኣት ብዙሕ እዩ። ነቶም ኣብ መሬት ኮይኖም፣ ብቡዙሓት ሽግራት ተኸቢቦም ንህዝቢ ብቕንዕኛ ዘገልግሉ ኣካላት ከመስግን ይደሊ፣ ኽብሪውን ይግብኦም። ብእኡ ልክዕ ድማ ኣብ ቀረባ ብሚድያ ኸምዝረኣናዮ፣ ዓይነትን መጠንን ናይቲጉሕለት ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ነጥብታት ዘጠናኽር ‘ዩ። ብዛዕባ ፀገማት ብግልጺ ምዝራብ ምጅማርና ትኽክል ኮይኑ፣ እዚ ሙሉእ ትርጉም ዝህልዎ ግና ብመንገዲ ፍትሒ ተዛዚሙ ከምዘይድገም እንተረጋጊፅናን እዩ። ኣብ ምጉሓል እኺሊ-ረዲኤትን ሓፂን መፂንን ዝዉዑሉ ሰብስልጣናትን፣ ናይውልቀ ቤት ማእሰርትን ገበነኛ ኣብያተ ፍርዲ ዝውኑኑ ኣካላትን ሒዝና፣ ኣይሽምባይዶ ፍትሕን ዴሞክራሲን ክነምፅእ፣ ከምህዝቢ ምቕፃልና’ውን የጠራጥር’ዩ። ስለዚ ጊዝያዊ መንግስቲ ንኹሉ ፀጋታት ትግራይ ኣዋዲዱ፣ ነተን ዝተጠቐሳ ናይ ህዝቢ ጠለባት ዘተግብረሉን፣ ነቶም ሰረቕቲ ድማ ዝኣልየሉ ኣሳታፊ ዝኾነ ፍኖተ ካርታ ንኽዝርግሕ ይላቦ።
===========================//============================