ብ ኣብርሃ ኪሮስ (ዶ/ር)
ተፈጥራዊ ኹነታት ብምኻኑ ሰብ ይውለድ፤ ይዓብን ኣሪጉ ይመውትን፡፡ ስርሑ ግና ሕማቅ ይኹን ፅቡቅ ብዘይግድስ ክዝንተው ይነብር፡፡ ምናልባት ድማ ገለገለ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ስነምግባር ዝጎደሎምን ፀሓፍቲ ንሕሉፍ ታሪክ ወዲስብ ብናይ ባዕሎም ቅኒትን ረብሓን ብምስናድ ንዝነበረ ህልው ታሪካዊ ኹነታት ንምዝባዕ እዃ እንተፈተኑ ስርሑ ህያው ኮይኑ ከምዝቅፅል ኣየጠራጥርን፡፡ ከምዝሎሚ ብሕሶት ዝተናገዐት ዓለም ብፍላይ ድማ ብሕሶታ ዓለም ዝተገረመላ ኢትዮጵያ፤ ህዝቢ ኣብ ጭቡጥ ኹነታት ዝተወከሰ ብቁዕን እኩልን ሓበሬታ እንተዘይቀሪቡሉ ብቀሊሉ በዚ ናይ ሕሶት ድራማ ኣእምርኡ ሰኪሩ ኩለመዳይ ስነልቦንኡ መሰረት ንዘይብሉ ንናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳዊ መጥቃዕቲ ተቃላዓይ ኾይኑ መንነቱ ኣብ ምርዳእ ከቢድ ፀገም ገጢምዎ ዝነብር ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ከምዘሎ ግንዛበ ምውሳድ ከድሊ እዩ፡፡ ገለገለ ኣካላት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንዘካይድዎም ክትዓት በዚ ተኣማንነት ዘይብሎም ሓበሬታታት ጥራሕ ሒዞም ሓቃውነት ንዘይብሉ ጌጋዊ ስነሞጎት (The fallacy to argument from Ignorance) ከካይዱ ንዕዘብ፡፡ መሊእና ተጋጊዮም እዮም ኢልና ከይንፈርድ መብዛሕቶም ትክክለኛ ታሪኮም ኣይተምሃሩን ገሊኦም ድማ ወላ ቀለም ዝወሓጡ እንትኾኑ ካብ ዘለዎም ውሽጣዊ ስስዐን ዘርኣውነትን ምክንያት ንዘሎን ዝነበረን ታሪካዊ ሓቂ ተቀቢሎም ንምትግባር ስለዝተፀገሙ እዩ፡፡ በቲ ይኹን በዚ ንፋስ ብዝነፈሰ ይንፈስ ንሕና እዚ ታሪኻዊ ሓቂ ወለድና ብስርዓት ሰኒድና መፃኢ ትውልዲ ክፈልጦን መንነቱ ብግቡእ ክርዳእ ናይ ምግባር ግቡእ ኣለና፡፡ ምክንያቱ ከምእምነት ጀስትዊኪ ‘’ታሪኽካ ዘይትፈልጥ ተኾይንካ ሕሉፍ ተዘክሮኻ ወይ ዛንታኻ ድኩም ይኾን፤ መንነትካ ንክትፈሊ ትፅገም፤ ዓርሰ-እምነትካ ትሑት ይኸውን፤ ኣብ ባዕልኻን ኣብ ሕብረተሰብካን ለውጢ ንምምፃእ እትገብሮ ፃዕሪ ተስፋ-ኣልቦ ይኾን’’ (‘’If you don’t know your history, you lose essential memory and you cannot know yourself. If you remain ignorant of history, you cannot hope to affect change in society or even in your life. …unless we study history, we will ‘be doomed to repeat the errors of the past’’ – Carol Gestwicki, 1997)
ኣብ ሓቃዊ ታሪኽ መሰረት ዝገበረ ዱልዱል ትምህርታዊ ኣፍልጦ ታሪኽ ዓድኻን ቅያዊ ስሪሒት ወለድኻን ኣብ መነባብሮኻ ለውጢ ንምምፃእ ንትገብሮ ፃዕሪ ኩሉ ጉልበትካን መሰረታዊ ፅንዓትካን እዩ፡፡ ብግልባጡ በዚ ትምህርታዊ ቅኒት ዘይደልደለ ርእሲ ንህንፀት ዓድን ንባዕልኻን ሓደገኛ ምኻኑ ገብረሂወት ባይከዳኝ ከምዝስዕብ ይዛረብ፤-
ዘይተምሃረ ሰብ ናይ ዓዱን መንግስቱን ረብሓን ሕርያን ክፍለጥ ኣይካሎን። ብገንዘብን ጥቕምን እዩ ዝዕሾ፥ እንተኾረየ ድማ ይሽፍት፥ ሸፊቱ ብዙሕ ሰብ እንተቐተለ ቁምነገር ዝሰርሐ ሹም ዘትርፈ ይመስሎ። ናይ ሰብ ክብረት ስራሕን ኣእምሮን ምዃኑ ከቶ ኣይግንዘብን። ኣእምሮ/ምህሮ ዘይብሉ ህዝቢ ስርዓት የብሉን፥ ስሮኣት ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ዝደልደለ ሓይሊ ክህልዎ ኣይኽእልን። ምንጪ ሓይሊ ስሮኣት እዩ እምበር በዝሒ ሰራዊት ኣይኮነን።
ከም እምነት ገብረሂወት ፍልጠት ንኹሉ ነገር መሰረት ከምዝኾነ ንግንዘብ፡፡ ኣብ ፍልጠት ዘይተመስረተ ታሪኻዊ ዛንታ ኩሉ መሰረት ዘይብሉ ኣብ ባዶ ስምዒትን ዓርሰ-ድሌትን ትረኻ ዝገበረ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ርእስና መሰረት ዘይብሉ ታሪክ ተመጋባይ ካብ ምዃን
ይፁም ዓይን
ይፁም ልሳን
እዝንኒ ይፁም እም ሰሚዓ ሕሱም
ዝብል መልእክቲ ክነሕልፍ ንደሊ፡፡ ኣብዚ ሓፂር ፁሑፍ ከቅርቦ ዝደለኩ ዋና ቁምነገር ፀላእትና ብፅንተታዊ ዂናትን ብከበባ ዕፅዋን ወራርን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ሓደጋ የኣክለና ከይበሉ ካብ ዘመን ኣዝማናት ንኣስታት 3000 ዓመታት ብተጋሩ ዝተሰርሑ ታሪካዊ ፍፃመታት ወለድና ብምንቁሻሽ ዘይሰርሕዎ ታሪክ ከምናቶም ጌሮም ንምምንጣል ፈተነታት ንዘካይዱ ዘለው ፖለቲከኛታትን ሊሂቃንን ኣምሓራ መልሲ ንመሃብ ካብ ባሕሪ ታሪካዊ ስርሒት ትግራይ ንእሽተን ቁንጥር ኣቢለ ንምቕራብ ክፍትን እየ፡፡
ብዙሓት ውሩያት ፀሓፍቲ ታሪክ (ንኣብነት ሪቻርድ ፓንክረስት፤ ባህሩ ዘውዴ፤ መርእድ፤ ገብሩ ታረቀኝ፤ ዘርእሰናይ፤ ካልኦትን) ከምዝሕብርዎ ትግራይ ኣብ ዘመነ ኣክሱም ካበቶም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ውሑዳት ስልጡናት ሃገራት ብልዑል ጥበባን ስልጣነኣን ሓንትን ውሪትን ከምዝነበረት ኩሎም ይሰማምዑ፡፡ ትግራይ ኣብ ዘመነ ስልጣነ ኣክሱም ካብ ዝሰርሐቶም ወርቃዊ ስርሒታት ገሊኦም ንምጥቃስ፤-
- ዝለዓለ ጥበብ ሳይንስን ኢንጂነሪንግን፡፡ ንኣብነት ብጣዕሚ ዝድነቁን ዘገርሙን ህንፃታት ምህናፅ፤ ኣዝዩ ዘገርምን ንምእማኑ ዝኸብድን ስርሒት ሃውልቲታትን ሓድግታትን ምስርሑ
- ናይ ባዕላ ፊደላትን ፁሑፋትን ፈጢራ ኣብ ታሪክ ዓለም ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ፁሑፍ ክህልዋ ምግባራ
- ንኣማኢቲ ዓመታት ሳናቲም/ ገንዘብ እንዳሓተመት ኣብ ንግዲ ዓለም ንምስታፍ ምክኣላ
- ደቡባዊ ዓረብ ኣብ ግዝኣታ ኣእቲያ ኣብ ማእኸላይ ምብራቅ ዝለዓለ ቦታ ነይሩዋ
- ኣብ እዋን ግዝኣት ምብራቃዊ ሮማንያ ትረክቦ ዝነበረት ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ቦታ
- ምስ ግብፂ፤ ኑብያ፤ ኣረብያ፤ ፐርሽያ፤ ህንዲ፤ ካልኦትን ዝነበራ ልዑል ንግዳዊ ርክባት
- ብምክኣኣል ኣብ ዓለም ኣለው ዝበሃሉ ሃይማኖታዊ እምነታት (ንኣብነት ክርስትና፤ እስልምና፤ ጁዳይዝም፤ ወዘተ) ናብ ግዝኣታ/ዓዳ ንክተኣታተው ምፍቃድ
- ሰብ ኩሉ ብማዕርነት (ፆታዊ ማዕርነት) ክስተናገድ ኣለዎ ዝብሉ ፍልስፍናዊ ክልስሓሳባትን ተግባራትን ከምኣብነት ዝጥቀሱ ዓበይቲ ተግባራት እዮም፡፡
ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንግስና ኣኽሱም ወዲቑ ናብ ዘኣገው ስርወ-መንግስቲ ፀኒሑ ድማ ብሓገዝ ተጋሩ ናብ ሰለሞናዊ ስርወ-መንግስት (ሽዋ) እንትሸጋገር ኣክሱም/ትግራይ ተኣታትዮም ዝነበሩ ምሉእ ጥበብ ዝተማለኦም ሳይንሳዊን ቴክኖሎጂካዊን ፈጠራታት ካብ ዘመን ዘመን እንዳሰፍሑ ክንድዝኸዱ ብሰንኪ ሲዒቡ ዝተፈጥረ ድሑር ስርዓት ምሕደራ ዝነበሩ ጥበባት ኩሎም ተቐቢሮም፤ ንዓለም ዘስደመመ ስሉጥን ምጡቕን ዝነበረ ምዕባለ ኩሉ ንድሕሪት ተመሊሱ ግርምቢጥ ማይ ንዓቀብ ኮይኑ ኢትዮጵያ ትበሃል ዓዲ ብዘሕፍር ኹነታት ብኢኮኖሚ ናይ ካልኦት ሃገራት ተመፅዋቲት ኮይና ክትነብር ኪኢላ፡፡ ንኣብነት፤-
ወናኒት ዓበይቲ ወደባት ዝነበረት ወደብ ኣልቦ ኮይና– ኣለው ዝበሃሉ ወደባታ ኩሎም ኣብ ኢድ ቁፅፅር ወፃእተኛታት ኣቲዮም፡፡ ምስ ዓለም ዝገበርዎ ንግዳዊ ልውውጥ ነበረያነበረ ኮይኑ፡፡ ንንግዲ ልውውጥ ፅቡቅ ዘገልግል ዝነበረ ስራሕቲ ሕትመት ሳናቲም/ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ከክንድዚ ውዕሎኦም ኣብ ንግዲ መሸጣ ባሮት ኮይኑ፡፡ እዚ መሸጣ ባሮት ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመነ ሰለሞናውያን ስርወ-መንግስት (ዓምደፂዮን (1314-1344)፤ ልብነድንግል (1516)፤ ክሳብ ዘመነ ሚኒሊክ ዝቀፀለ) ንመፈለምታ እዋን ዝተጀመረን ኣብ ሰብኣዊ መንነት ከቢድ በሰላ (Dehuminization) ገዲፉ ዝሓለፈን ኢሰብኣዊን ነውራዊን ተግባር ምኻኑ ይፍለጥ፡፡ ከም ሪቻርድ ፕንክሪያስት ትንተና ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታትን በዚኦም ልዕል ክብሉ ዝተገልፁ መራሕቲ ብሓይሊ እንዳተኣሰሩን እንዳተቐጥቀጡን ብፖርት ሶማሊያ፤ ሱዳንን ባፅዕን ኣቢሉ ናብ ዓረብ፤ ፐርሽያ፤ ግብፂ፤ ህንዲን ግሪክን ይሽየጡ ነይሮም፡፡ ሽዑ ብዝነበረ ዕዳጋ ንሓደ ባርያ ብሓደ ጋንፉር ጨው ይሽወጥ ከምዝነበረ ይፍለጥ፤ ገሊኦም ሃገራት ድማ ንሓደ ባርያ ብ 18 ዲናር ወይ 8 ፖውንድ ገዚኦም ይወስዱ ከምዝነበሩ ተዘጊቡ ኣሎ፡፡ እዚኦም ቁንጮታት መራሕቲ ሽዋ ነዚ ንግዲ ባርያ ምችብቻብ ጀሚሮም ክሳብ ዝዛዘም ብድምር 10,000,000 ባሮት ከምዝተሸጡ ተሓቢሩ ኣሎ፡፡ በቲ እዋን ሰብኣዊ መሰል ዝከታተል ዓለማዊ ትካል ተዝህሉ ነዚኦም ኣብዚ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝዋስኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ገበን ዘርኢ ምጥፋእ ተከሲሶም ግቡእ ፍርዲ ተዝረክቡ ሕዚ ደቂደቆም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምጥፋእ ዘርኢ ትግራይ ካብ ምውፋር ምተቖጠቡ ዶ ነይሮም ይኾኑ ዝብል ሕቶ እኳ እንተሃለወኒ መልሱ ንኣንበብቲ ገዲፈዮ ኣለኹ፡፡
መራሕቲ ሽዋ ኣክሱማውያን ኣብ ዝፈጠሩዎ ምዕባለታት ኣብ ምጥፋእ ተዋፊሮም
ፈጠራታትን ሰብሞያን ተቀቲሎም፤- ብዘመነ ስልጣነ ኣክሱም/ ትግራይ ንዛ ሕዚ ዘላ ሃገረ ኢትዮጵያ ብምዕባለኣ ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ክስርዕዋ ዝክእሉ ፈጠራታትን ቴክኖሎጂያዊ ጥበባትን ዝነበሩ እዃ እንተኮኑ ነዚ ዝነበረ ፈጠራን ሞያዊ ክእለታትን ብዝነበረ ድኹም ኣመራርሓ ምኽንያት ብኣኽሱማውያን ተፈጢሮም ዝነበሩ ሞያዊ ክእለታት ዝተፈላለዩ ነውራዊ ስማት ተዋሂቡዎም ነዚኦም ዝፈጠሩ ኣካላት ኣሳዲድካ ንምጥፋእ ሰፊሕ ዘመተ ስለዝተገብረ ኢትዮጵያ ንኣደዳ ድክነትን ከም ባህሊ ንስራሕ-ፀያፍነትን ብዝሃ-ተግባራት ድሑር እምነታትን ዳሪጉዋ እዩ፡፡ ንኣብነት ሃፀይ ዘራያቆብ (1434-1468) ዝበሃል መራሒ ንኣምከኽቲ ኢደጥበብ ወርቂ፤ ብሩር፤ ብረት፤ ኢደጥበብ ስራሕቲ ዕትሮ፤ ሽመና፤ ወዘተ ዝተዋፈሩ ኣካላት ቡዳ ዝብል ስም ተዋሂቡዎም፤ ናይ ምሸት ኣዛብዕ ከምዝኾኑ ተጌሮም ስለዝተርኣዩ ጠቒሊሎም ክጠፍኡ ተፈሪዱሎም፡፡ ህዝቢ ድማ ከም ሕማቓት ፍጥረታት ጌሩ ብምርኣይ ከግልሎምን ኣብ ሰብኣዊ መንነቶምን ክብሮምን ዘመተን ቅትለትን ተካይዱዎም፡፡ እዚ በዚኦም መራሕቲ ዝተኣታተወ ተግባራት ኢ-ሰብኣዊን ቅትለት ጥበብን ኣብ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያውያን ተኣታትዩ ሱር ዝሰደደ ድሑር ባህልን እምነትን ኮይኑ ክሳብ ሕዚ ዘለናዮ ዘመን ዘሊቑ ንምዕባለ ዕንቅፋት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ፡፡ እዚ ዘመን ካብ ኢደ-ጥበብ ዘለዎ ኪኢላ ሰራሕተኛ ዘይሰርሕ ኣፈኛ ዝኾነ ዚያዳ ዝኽበረሉን ፍሉይ ቦታ ዝረከበሉን ዘመን እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ዝወለዶ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ሕዚውን ገና ሱር ሰዲዱ ዝቅፅል ዘሎ እምነት እዩ፡፡ በዚ ምክንያት ሹዑ ዝነበሩ ኢደጥበበኛታት ነዚ ዝጀመርዎ ስራሕ ገዲፎም ከይቅተሉ ብምፍራሕ ብዙሓት መረበቶም ገዲፎም ስደት ዝኸዱ ከምዝነበሩውን ይፍለጥ፡፡ ገብረሂወት ባይከዳኝ ኣብ እዋን ዘመነ ሚኒሊክ ብዝተዓዘቦ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ መሰረት ጌሩ ከምዝተዛረቦ ‘’የሰዉን ክብረቱ ስራና ኣእምሮ መሆኑን ኣላወቅንም፡፡ መፅሓፍ የሚያዉቀዉን ወንድማችን ኣስማተኛ ደብተራ፤ የእጅ ስራ የሚያዉቀዉንም ቡዳ ፋቂም ሸማኔም እያልን እናዋርደዋለን፡፡ መንግስታችንም ኣንድ ጥበብ ከሚያዉቀዉ ዜጋዉ ይልቅ ያንን የማያዉቀዉን ያከብራል’’’፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ጥበብን ፈጠራታታን ክትበልዕ ምስ ጀመረት እዩ ኣብ ከቢድ ድኽነት ዝወደቐት ይብሉ ዶ/ር ተ/ሃይማኖት ሃይለስላሴ፡፡ ብሄረሰባት ብመንነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መደባት ተወዲቦም ኣብነት ቡዳን /ጭዋን፤ ትግሬ፤ ጋላ፤ ወላሞ፤ ሻንቅላ፤ ወዘተ ዝብሉ ነውራማት ዝኾኑ ሱማት ተለጢፎምሉ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዘርኣዊ ኣፈላላይ ክፍጠር ዝተገብረሉ እዋን እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ኢትዮጵያ ንቑልቁል እንትወርድ ብኣንፃሩ ካልኦት ብጥበበን ኮነ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለአን ከም ኣክሱማውያን ማዕረ ዝነበራ ሃገራት (ኣብነት ቻይና፤ ግብፂ፤ ግሪክን) ዝሓዝኦ ጥበበን ብምዕቃብን ዝጎደለን ድማ ካብ ካልኦት ቴክኖሎጂን ጥበብ ሳይንስን ብምቕዳሕ ናብ ዝለዓለ ብርኪ በፂሐንን ኣብ መነባብሮ ህዝበን መሰረታዊ ለውጢ ከረግግፃ ኪኢለን እየን፡፡
ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ዘመነ ስልጣነ ኣክሱም/ትግራይ ተኣታትዩ ዝነበረ ፍልስፍና ፆታዊ ማዕርነት ፈላስፋ ዘራያቆብን (1599-1692)፤ ሃይማኖትን መንግስትን ነንበይኖም ተራእዮም መሬት ንሓራሲኡ ክመሓላለፍ ኣለዎ ኢሎም ኣብ ጥንኩር ስነሞጎታዊ ትንተናዊ ፍልስፍና ዘካይዱ ዝነበሩ ደቂቀ-እስጢፋኖሳዊያንን ኣብ ዘመነ ሽዋ ሓደጋ ገጢምዎም ንዓቶም (ደቂቀ-እስጢፋኖሳውያን) ናብ ሽዋ ብእሱር ብምውሳድ ተቀጥቂጦምን ዝነበረ ፍልስፍነኦም ድማ ክጠፍእ ተገይሩን እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ትግራይ ብደቃ ዝፈጠረቶም ምህዞታታን ፍልስፍናዊ ስርሒታን ከምዘይነበሩ በኒኖም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታትና ንቑልቁል ናይ ምውራድ ሓደጋ ገጢሙና፡፡ ካብዚ ድሑር ኣተሓሳስባ ማንም ብሄር ኣምሓራ (እቶም ንኣምሓራ ዝወከልና መራሕቲ ኢና ኢሎም ዝምክሑ ፖለቲከኛታት) እውን እንተኾነ ዝተረብሐ ሓደ ኣካል የሎን፡፡ እዚ ዝነበረ ድሑር ሰበኻ ዘርኣዊነት ብዝኸፍአ ኹነታት ንኣምሓሩ ንባዕሎም ‘ውን ተጠቃዕቲ ጌሩዎም እዩ፡፡ ንኣብነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣምሓራ ብደቂ ተባዕትዮ መሪር ወፅዓ ክበፅሐን ተገይሩ እዩ ሕዚ እውን ይቅፅል ኣሎ፡፡ ነዚ ጭቡጥ መርተዖ ክኾን ዝክእል ኣብ ጎጃም ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ፀጉረን ተላፅየን፤ ብዘይ ጫማ ብባዶ እግረን ክኸዳን (ከም እምነት ኣወዳት እውን ብባዶ እግሮም ይከዱ) ከም እምነት ሓሚቀንን ባዕለን ኣዳኪመንን ክረአያን ንስብኣየን ተገዛእቲ ኮይነን ክርከባን ተገይሩ እዩ፡፡ እዚ ድሑር እምነት ሕዚ ኣብ 21 ክ/ዘመን ክረአ እዩ ኢልካ ዘይተሓስቦ ወላእኳ እንተኾነ ግና ሕዚውን ተጠናኺሩ ምቅፃሉ ዘሕዝን እዩ፡፡ እቶም ሕዚ ዝና ኣለና፤ ካብ ካልእ ኣካል ንላዕሊ ክቡራት ኢና፤ ናብ ኢትየጵያ ስልጣነ ዘምፃእና ንሕና ኢና፤ ወዘተ ኢሎም ወግሐ ፀብሐ ኣብ ባዶ ነገር ዝጃሃሩ ዘለው ቁንጮ ፖለቲከኛታት ኣምሓሩ ነዚ ብኣቦታቶም ዝተኣታተወ ዱሑር እምነት እኳ ንምምሕያሽ ፃዕሪ ክገብሩ ኣይተርኣዩን፤ በዚ ከይሓፈሩ እውን ብዘየለ ስልጣነ ኣፎም መሊኦም ይፍክሩን ደርፊ ይደርፍሉን ኣለው፡፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ህፃናት ዘለዎም ኣመለኻኽታ እማ ካብዚ ዝበኣሰ እዩ፡፡ ህፃናት ግቡእ ክንክን ተገይሩሎም ከዓብዩ ዝግባእ እቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ክብሪ ትሑት ከምዝነበረ ካብቲ ንዕዑ ኣመልኪቱ ብነበረያነበረ ኣቢሎም ዘመሓላልፍዎም ዝነበሩ ኣበሃህላታት ንርአ፤- ‘’ልጅ ያለ ልጅ ኣከለ’’፤ ‘’የተናገርኩት ከሚጠፋ ልጄ ይጥፋ’’፤ ወዘተ፡፡ ከምዚኦም ዝመሳሰሉ ቢሂላታት ሕብረተሰብ ነቲ ውላዱ ብግቡእ ከይሕብሐብ ዝገብሩ መርዛዊ ኣበሃህላታት እዮም፡፡ እምበኣርከስ ኣንበብትና ሕማቓት ክትብሉዎም ፅቡቓት እዚኦም ከምወዲዚኦምን ዝበሉ ተግባራትን ቢሂላታትን እዮም ካብ ዘመን ኣዝማናት ካብ ወለዶም ናብ ውልድ ውላዶም እንዳተወራረሱ መፂኦም ሕዚ ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ከቢድ ምጥፍፋእን ምክፍፋልን ዝፈጥር ዘሎ፡፡
ኣብዚ ብዙሕ ከይረሓቅና ስርዓት ደጃት ውቤ ኣብ ትግራይ ዘሕደሮ በሰላ ንርአ፡- ቅድሚ ሓፀይ ቴዎድሮስ በቲ ሽዑ ዘመን ቤገምድር ኣብ ዝበሃል ዝነበረ ክፍለሃገር ዘመሓድሩ ዝነበሩ ደጃት ውቤ ናብ ትግራይ መፂኦም ትግራይን ትግራወትን ግፍዒ ብዝተማለኦ ኹነታት ኣዳቂቆምዎ ከይዶም እዮም፡፡ ኮነ ተባሂሉ መረበቱ ለቂቁ ምእንታን ክኸድ እዚ ህዝቢ ክምልሶ ዘይክእል ከቢድ ፅዕነት ግብሪ ኣውዲቆምሎም፤ ከባቢ 40 ሽሕ ዝኮኑ ሰራዊቶም ክሳብ ሰለስተ ቅነ ኣብ ሓደ ገዛ ተቀሚጦም እታ ገዛ ዘጥረየቶ ንብረት ኩሉ በሊዖም፤ ነተን ኣንሽትን ዕሸላት ኣዋልድን ዓሚፆም፤ ኣብኡ ንዝተረክበ ንብረት ከምዘሎ ፂዒኖም ናብ ዓዶም ወሲዶም፡፡ ትግራዋይ ብትግርኛ ከይዛረብ፤ ኣስማት ደቁ እውን ብናይ ኣምሓርኛ ቅኒት ጌሩ ክስይሞም ትእዛዝ ብምትሕልላፍ ትግራዋይ ኣብ መንነቱ ከቢድ በደል ኣብፂሐምሉ፡፡ በዚ ዝበፅሖም ዝነበረ ውርደትን ዘረፋ ሃፍትን ምክንያት ብኣንፀርፅሮት ቁፅሮም ዘይነዓቅ ስድራ ከምስድራ ገዝኦም ገዲፎም ስደት ከይዶም፡፡ ቀፂሉ ኣብ እዋን ሃፀይ ምኒሊክ ብዝነበረ ኣድላዋይን ሕማቕን ስርዓት ምሕደራ ምኽንያት ተደማሚሩ እዚኦም ነውሪ ዝበሃሉ ዝነበሩ ከም ልመና፤ ስደትን ጎደና ሓደርን ሽርምጡናን ማሕበራዊ ክስተታት ኮይኖም ብሰፊሑ ተኣታትዮም፡፡
ሓዱሽ ነገር ክንዲ ምፍጣር ግዘኦም ኣብ ስርቂ መንነት ባህልን ቅርስን ኣሕሊፎምዎ፤– ቁንጮታት ኣምሓራ፡ ኣክሱማውያን/ትግራዎት ኣብ ዝፈጠረሎም ፀጋታትን ስልጣነን ብፀጋ ተቐቢሎም ነዚ ብምግፋሕ ንሕብረተሰቦምን ብሓፈሻ ድማ ንሃገረ ኢትዮጵያ ንምምዕባል ክንድ ዝፅዕሩ ብግልባጡ ነዚ ዝነበረ ስልጣነ ንምጥፋእ ወይ ድማ ከምናቶም ጌሮም ታሪኽ ንምስራቕ ንዘመናት ተቓሊሶም፡፡ ታሪኽ ኣኽሱም ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ፍልስፍና ያሬድ፤ ምትእትታው ፊደልን ፁሑፋትን፤ ምትእትታው ክርስትና ሃይማኖት፤ ከም ኣሸንዳ ዝመሳሰሉ ባህላዊ ተግባራት ‘ናትና’ እዮም ብምባል ኣብዘይወዓልሉን ዘይደኸምሉን ነገር ናቶም ክገብሩ ለይትን ቀትርን ላሕ ክብሉ ፀኒሖም፡፡ ይኹን እምበር እቲ ታሪኽ ኣፋዊ ጥራይ ኮይኑ ብቐሊሉ ናብቲ ናብዚ ዝወዛወዝ ዘይኮነስ መብዛሕቱ ዳህሲሱ ክርደኦ ዝኽእል ሂወት ዘለዎ ተግባር ብምኻኑ ከምቲ ዝሓሰብዎ ከምድላዮም ክጠልፍዎ ዘይኽእሉን ኣብ ሓቃዊ ባይታ ዝተመርኮሰ ህያው ታሪኽ ከምዝኾነ ማንም ክግንዘቦ ይግባእ፡፡
እዚ ታሪኻዊ ሓቂ እንትኾን እቲ ዘገርም ነገር ግና ንሶም ንፁሃትን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ልምዓትን ድሕንነትን ተገደስቲ መሲሎም ንምቕራብ እንትፍትኑ ብግልባጡ ‘’ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ’’ ከምዝበሃል ትግራዎት ኾነ ፖለቲከኛታት ትግራይ ባንዳ ጌሮም ምርኣዮም እዩ፡፡ በቲ ንሶም ዘምፅእዎ ሓሳብ ‘ባንዳ’ ክበሃል እንተኾይኑ ኤርትራ ኣሕሊፉ ንጣልያን ዝሸጠ ክንዲ ምኒሊክ ዘኣክል የሎን፤ ባንዳ ክበሃል እንተኾይኑ ጁቡቲ ንፈረንሳይ ዝሸጠ ክንዲ እዚኦም ዝወዳደር ኣካል መን ኣሎ ? ሃፀይ ዮሃንስ ኾኑ ኣፍሪቃዊ ጀግና ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣሉላ ኢትዮጵያ ከይትድፈርን ከይትበታተን ኢሎም ዕድመኦም ልክዕ ምስ ጣልያን፤ ግብፂ፤ እንግሊዝን ድርቡሽን ካብ ሰሜን ናብ ምዕራብ ካብ ምዕራብ ናብ ደቡብ እንዳተዘዋወሩ በሪ ኢትየጵያ ከይድፈር ምስ ፀላእቲ እንዳተረጋረጉ ክዓርፍሉ ዝግባእ ዝነበረ ወርቃዊ ግዘኦም ኣብ ሓዞመዞ ኣሕሊፎም እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሃፀይ ዮሃንስ ንኢትዮጵያ ክብሉ ምስ ድርብሽ ግንባር ንግንባር ብምግጣም ኣብ ግንባር መተማ ሂወቶም ዝሰውኡ ጀግና ንጉሰነገስት እዚኣ ሃገር እዮም፡፡ ከምቲ ካልኦት ዝገብርዎ ዝነበሩ ከም ንጉሰነገስት እታ ሃገር ኣብ ዙፋኖም ከይዓረፉን ንሂወቶም ከይሰስዑን ዓደይ ፀላኢ ከይደፍራ ክከላኸል ኣለኒ ኢሎም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኢትዮጵያ ተንቀሳቒሶም ምስ ፀላእቶም ዝዃሽሑ ዝነበሩ ጀግና መራሒ ብምዃኖም ምስ ሞቱ ብገለ ሓዘን ዝተሰመዖም ኢትዮጵያውን ‘’ኣፄ ዮሃንስ ሞኝ ናቸው እኛም ሁላችን ናቅናቸው፤ ንጉስ ሁኑ ቢሉዋቸው በመሃሉ ወሰን ጠባቂ ልሁን ኣሉ’’ ክብሉ ተሰሚዖም፡፡ ኣብዚ ገለገሊኡ ነዚ ዝቐረበ ፁሑፍ ‘ሞኝ ናቸው…እኛም ሁላችን ናቅናቸው’ ዝብል ፁሑፍ ቁንጥር ኣቢሉ ብምውሳድ ‘ዓሻ’…እዮም ስለዚ ‘ኒዒቅናዮም’ ኣለና ብዝብል ዝተጋገየ መረዳእታ ሂቡ እንተተረዲኡዎ ናብ ዝተጋገየ መረዳእታ ከኣቱ ይክእል እዩ፡፡ እዚ ፁሑፍ ብምሉእ ወሲድና እንተተረዲእናዮ ንዖም ዝኩንን ዘይኮነስ ኣፄ ዮሃንስ ንነብሶም ከይሰስዑ ዓዲ ብወራሪ ከይትድፈር ኢሎም ካብ ድንበር ናብ ድንበር እንዳተንቀሳቐሱ ምስ ፀላኢ ዘካይድዎ ዝነበሩ ግብግብ ዘሞግስ ምዃኑ ክንርድኦ ይግባእ፡፡ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ሃፀይ ዮሃንስ ንድሕንነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ብምሕሳብ ምስ ጣልያን ኮነ ድርቡሽ እንትረጋረጉ ብተፃራሪኡ ሚኒሊክ ብውሽጣ ውሽጢ ምስ ጣልያን ንሓሙሽተ ዓመታት ርክብ ብምፍጣር 189,000 ኣፅዋራት ክእክብ ፀኒሑ፤ ፀኒሑ ድማ ሃፀይ ዮሃንስ ምስ ተሰውኡ ደሞም ከይደረቀ ሽዑንሽዑ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኤርትራ ኣሕሊፍካ ንመሃብ ኣብ ውጫለ ምስ ጣልያን ውዕሊ ኣሲሮም ኤርትራ ሸይጦምዋ፡፡ እዚ ብባዕሉ ዓድኻ ንጣልያን ምሻጥን ክሕደትን ዕሉል ባንዳነትን ዶ ኣይኮነን? መልሱ ንኣንበብቲ ገዲፈ ናብ ዝቅፅል ክሓልፍ፡፡ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ዓወት ዓድዋ ናይ መን እዩ? መን እዩ ምስ ጣልያን ግንባር ንግምባር ተሪሩ ዝዃሻሕ ዝነበረ? መን ከ እዩ ኣብዚ እዋን ንድሕሪት ሃዲሙ ኣብ ቤተ ክርስትያን እንዳጂወርግስ ዓድዋ ተሓቢኡ ቅዱስ ጊዮርግስ ነብሰይ ኣድሕነኒ ኢሉ ኣብ ውሽጢ ተሓቢኡ ዝፅሊ ዝነበረ? ነዚ ሕቶውን ብተመሳሳሊ ናብ ማህደር ታሪክ ዓወት ዂናት ዓድዋ ተመሊስካ ብምርኣይ መልሲ ብቀሊሉ ምርካብ ይከኣል፡፡ ኣብዚ ቀረባ ዝተሰርሐ ህዳሴ ግድብ ኣባይ ከይሓፈሩ ናትና እዩ ክብሉ እውን ተሰሚዖም እዮም፡፡ በቲ ይኹን በዚ ትዕዝብቲ ንከትርፉ ምንም ዝሰርሕዎ ነገር ዘየሎ እዚ ናትና እቲ እውን ናትና ወዘተ እንዳበሉ ባዕሎም ኣብ ፃዕዳ ሕሶት ይኣቱ ኣለው፡፡
እዚኦም ኣካላት ሓደ መዓልቲ እዃ ካብ ጌግኦም ከይተምሃሩ ካብ ዘመን ናብ ዘመን ካብ ትምክሕቲ ናብ ትምክሕቲ ምስግጋሮም ኣዝዩ ዘሐዝንን ዘገርም ተግባርን እዩ፡፡ ኣብዚ ዘመን እቲ ዓብይ ጌጋ ሰብ ንባዕሉ ካብ ካልእ ዘርኢ ኣብሊፁ ምርኣዩ እዩ፡፡ ኣነ ወይ ናተይ ዘርኢ፤ ናተይ ባህልን እምነትን፤ ናተይ ፍልጠት፤ ወዘተ ካብ ካልእ ይበልፅ ኢልካ ንባዕልኻ ኣብ ዝለዓለ ቦታ ኣቐሚጥካ ንኻልእ ኣትሒትካ ምርኣይ ሓደገኛን ካብ ሕማም ርእሲ ዝብገስ ጥዕና ዘይብሉ ምልክት ኣተሓሳስባን ምዃኑ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ የረጋግፁ፡፡
ወለድና ኣብ ታሪኮም ኩሉሻዕ ገበርቲ ሰናይ እዮም፡- ወለድና ኣብ ርእሲ ጀጋኑን ጥበባውያንን ምዃኖም ንካልእ ጋሻ ወይ ጎረበት ዘለዎም ኣመለኻኽታ ፈፂሞም ሰብኣዊያን፤ ኣኽበርቲ፤ ሩህሩሃት፤ ሓለይትን፤ ፍትሓውያንን ምዃኖም ዝፈለጥ እዩ፡፡ ንኣምሓራ ኣሕዋትና ኩሉሻዕ ደገፍቲ ኮይና ከምዝፀናሕና ንሶም እውን ብዕሊ ይፈልጡ እዮም፡፡ ንኣብነት ድሕሪ 9ይ ክ/ዘመን ውድቀት ንግስና ኣክሱም ቤተ መንግስት ካብ ዛግወ-ስርወ-መንግስት (10ይ ክ/ዘመን) ናብ ሰለሞናዊያን ስርወ-መንግስት እንትሰጋገር ትግራዎት ኣብ ምስግጋርን ምጥንካርን እዚ መንግስቲ ዓብይ ግደ ተፃዊቶም እዮም፡፡ ትግራዎት ኣብ ሽዋ ከይዶም ነዚ ስርዓት ንግስና ንምጥንኻር ዝሕግዝ ‘ክብረ-ነገስት’ ሰሪሖም ምሉእ ተሃድሶ ጌሮምሎምን እዮም፡፡ ቀፂሉ እዚ ንግስና ናብ ጎንደር እንትሰጋገር እውን ኣብዚ ቤተ-መንግስቲ ተረኺቦም ወደስቲ ቀደስቲ ኮይኖም ልዑል ግደ ይፃወቱ ዝነበሩ ሕዚውን ትግራዎት ምዃኖም እዩ፡፡
ግራኝ መሓመድ ኣብ ሽዋ ኣትዩ ኣንፃር ልብነ ድንግል እንትንቀሳቐስ ልብነ-ድንግል ናብ ትግራይ ሃዲሙ ትግራዎት ምሉእ ብምሉእ ከምዘድሓንዎ ታሪኽ ምስክር እዩ፡፡ ቀፂሉ ኣብ መፋርቅ 18 ክ/ዘመን ናይ ጎንደር ዝነበረ ንጉስ እያኦስ ብኦሮሞ ሰራዊት ምስ ተኸበበ ናይ ርድኡኒ መፀዋዕታ ን ራስ ሚኪኤል ስሑል (ናይ ትግራይ ዋና ገዛኢ ዝነበሩ) ቀሪቡሎም በዚ ብዝቐረበሎም መፀዋዕታ መሰረት ራስ ሚኪኤል ሱሑል 30,000 ሰራዊት ሒዞም ብምርዳእ ጎንደር ካብ ምፍራስ ኣድሒኖምዋ እዮም፡፡ ኣብ ዘመን ኢህኣዴግ ድማ ተበታቲኖም ዝነበሩ ክልላት ኣምሓራ (ሽዋ፤ ጎንደር፤ ወለጋ፤ ወሎ) ናብ ሓደ ተኣኻኺቦምን ተጠናኺሮምን ክመሓደሩ ብምግባር ካብ ትግራዎት ፅቡቅ ተግባራት ተፈፂሞም እዮም፡፡ ስለዚ ትግራዎት ንኣምሓሩ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሰብ ፅቡቅ ውዕለታ ምዃኖም ካብ ታሪኽ እንዳረእና መፂእና ኢና፡፡ ይኹን እምበር “እንትውዒ ብማንካ እንትዝሕል ብኢድካ” ከምዝበሃል ንሶም እንትፅግሞም ንትግራዎት ርድኡና ይብሉ እንትምችዎም ድማ ምስ ካልኦት ሓቢሮም ካብ ካልእ መዝረያ ብምፅዋዕ ንመንነትናን ታሪኻዊ ፀጋታትናን ንምጥፋእ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ፡፡ ትግራይ እዚ ኩሉ ኣብ ኣምሓሩ ዝወዓለቶ ውዕለትኣ ብሰንኪ እቶም ትምክሕተኛታት ሊሂቃን ኣምሓሩ እወንታዊ ምላሽ ኣይረኸበትን፡፡ ነቲ ኩሉ ዝተገብረ ፅቡቕ ስራሕቲ ዝተውሃበ ግብረ-መልሲ ኣብ ደቂሰባት ክበፅሕ ዘይግበኦ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት እዩ፡፡ ብሃፀይ ዓምደፅዮን፣ ዘራያቆብ፤ ደጃት ውቤ፤ ሃፀይ ሚኒሊክ፤ ሃፀይ ሃይለስላሴ፤ ደርጊን ሕዚ ድማ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን እንዳተባረዩ ዘብፅሑልናን ዝበፅሐናን ዘሎ ግፍዓዊ ተግባራት ኣብ ማንም ፍጡር ወድሰብ ክበፅሕ ዘይግበኦ ሕማቅ ተግባራት እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ሃፀይ ሃይለስላሴ ንናዕቢ ቀዳማይ ወያነ ንምምብርካኽ ካብ ሃገረ ብሪጣንያ ዝተሓገዘ ናይ ኣየር ደብዳብ በፂሑዋ ትግራይ፡፡ ሕድሕዶም 40 ፖውንድ ዝምዘኑ ብድምር 119 ቦምብታት ኣብ መቐለን ከባብያን ተደብሪዩ እዩ፡፡ እዚ ብራስ ኣበበ ዝተመርሐ መጥቃዕቲ ህዝቢ ሕንጣሎ ወጀራትን ራያን መሬቱ ተዘሪፉ፤ ኣንሽቱ ተዓሚፀን፤ ኣወዳት ተሰሊቦምን ተዋሪዶምን፡፡ እዚ መጥቃዕቲ ራስ ኣበበ መጥቃዕቲ ካልኣይ ውቤ ኮይኑ ቀፂሉ፡፡ ኣብ እዋን ደርጊ ብናይ ራሽያ ኣፅዋር ዝተሓገዘ ቴክኖሎጂ ደብዳብ ኣየራት ሕዚ እውን ራሽያ ፋሽሽታዊ ስርዓት ብልፅግና ብምድጋፍ ድሮናት ብመሃብ ትግራይ ኣብ ምጥፋእ ተዋፊሩ፡፡ በዚ ሓገዝ ራሽያ ደርጊ ክሳብ 2,500 ህዝቢ ኣብ ሓውዜን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብኣየር ዝጨፍጨፈሉ ኣብነታዊ ተግባር ምጥፋእ ህዝቢ እዩ፡፡ ህዚ ድማ ብዘመነ ኣብይ ክሳብ 9 ዓድታት (ምክልኻል ሓይሊ ኢትዮጵያ፤ ፉሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፤ ፋኖ ኣምሓራ፤ ምክልካል ሓይሊ ኤርትራ፤ ምክልካል ሓይሊ ሃገረ-ሶማሊያ፤ ዓረብኤመሬትስ፤ ሩስያ፤ ቻይና፤ ቱርክ፤ ኢራን ዝተሳተፋሉ ደብዳብ ድሮናትን) ብደብዳብ ሰማይን ብናይ ምድሪ መካናይዝድ ኣፅዋራትን ዝተሓገዘ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይን (ህፃውንቲ፤ ኣዴታት፤ መናእሰይ፤ ሽማግለታትን) ሃፍቱን፤ መሰረተ-ልምዓቱን ትካላት እምነታቱን ዝበፅሐ ዘመተ ዘርኢ ምጥፋእ ንህዝቢ ዓለም ዘደመመ ዘግናኒን ብምንባሩ ኣብዚ ሓፂር ፁሑፍ ዘርዚርካ ክትገልፆ ኣይከኣልን፡፡ ስለዚ ብሰፊሑ ኣብ ቀፃላይ ፁሑፈይ ንምቕራብ ክፍትን እየ፡፡
ንሕና ካብ ሕሉፍ ተሞኹሮና ልምንታይ ትምህርቲ ዘይወሰድና ?– ቅድም ክብል ካብ ታሪኽ ከምዝተዓዘብናዮ ወለድና ብሰብኣዊነትን ከምኣሕዋትና እዮም ዝብል ሓልየታዊ ተሓስቦን ብተኸታታሊ ንዓቶም ንምሕጋዝን ከይሰስዑ ዘለዎም ተሞክሮ ብምክፋልን ክነኣድ ዝግበኦ ታሪኻዊ ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ፀኒሖም እዮም፡፡ መራሕቶም ግና ብግልባጡ ትግራዋይ ንምድኻምን ንምጥፋእን ተደጋጋሚ ተግባራት ብምክያድ ታሪኻዊ ስሕተት ሰሪሖም እዮም፡፡ ይኩን እምበር ፖለቲካዊ መራሕትና ካብዚ ተደጋጊሙ ኣብ ህዝብናን ኣብ ኩለመዳያዊ ልምዓትናን ዝበፅሐና ጥፍኣት ትምህርቲ ወሲድና ኣብ ርእሴና ምክልኻልን ንቅሓትን ዘይንገብር? ዝብል ሕቶ ብምልዓል ዝምልከቶ ኩሉ ተዛትዩሉ ምላሽ ብመሃብ ንቅድሚት ትምህርቲ ክወስደሉ ነዚኣ ፁሑፈይ ኣብዚ ዛዚመ ሓሳበይ ንምጥማር ንሶም (ብትምክሕቲ ልቦም ሓቢጡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንቁሻሽ ዝውዕል ዘለው ፖለቲከኛታት ኣምሓራ) ይነብሑ ንሕና መገድና ንቐፅል፡፡ ንሶም ከም ኣቦታቶም ኮፍ ኢሎም ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ተፀሚዶም ይነብሩ ንሕና ኣብ ተግባር ተፀሚድና ፀገምና ንፈትሕ፡፡ ንሶም ናይ እማቶም ታሪኽ፤ ባህልን ቅርስን ብምስራቕ ናይ ኣቦታቶም እንትሰርሑ፤ ንሕና ሓዱሽ ፈጠራ፤ ምህዞን፤ ቴክኖሎጅን ብምፍጣር ናይ ኣቦታትና መገዲ ንከተል፡፡
ሰደቃ 1፤- ጥማር ንፅፅር ታሪኻዊ ስሪሒት ናትናን ጎረባብትናን
ዘመን | ዝነበሩ መራሕቲ/ ፈላስፋታት | ዝነበረ / ሕግን ፍልስፍናን | ዝተሰርሑ ሓደሽቲ ስራሕቲ | ኣብ ሕ/ሰብ ዘምፀኦ ፋይዳ | ሓበራዊ ባህርያቶም |
ኣክሱም ዘመነ መንግስቲ |
*ሃፀይ ካሌብ፤ ሃፀይ ሮምሃይ፤
*ቅዱስ ያሬድ (6ክ/ዘመን) *ፈላስፋ ዘራያቆብ (1599-1692) ፈላስፋ ኣቦና እስጢፋኖስን ደቂቀ-እስጢፋኖስን (16ክ/ዘመን) |
*ጥበብ ኢንጂነሪንግን ህንፀትን
*እደ-ጥበባት ከበሬታ መሃብ *ጥበብ ያሬዳዊ ዜማ *ፍልስፍና ዘራያቆብ (ፆታዊ ማዕርነት፤ ሰብ ማዕረ እዩ) *ፍልስፍና ደቂቀ-እስጢፋኖስ (መሬት ንሓራሲኡ፤ ሃይማኖትን መንግስትን ነንበይኑ፣ ንንጉስ ኣይንስገድ) *ምትእትታው ዘመናዊ ት/ቲ |
*ብጣዕሚ ዝድነቑን ዘገርሙን ህንፃታት ምህናፅ
*ንምእማኑ ዘፀግም ስርሒት ሓውልቲታትን ሓድግታትን *ናይ ባዕላ ፊደላትን ፁሑፋትን *ሳናቲም/ ገንዘብ እንዳሓተመት ኣብ ንግዲ ምውዓል *ምቅፅፅፃር ደቡባዊ ዓረብ፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝለዓለ ቦታ ነይሩዋ *ኣብ ምብራቃዊ ሮማንያ ዝነበራ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ቦታ *ንግዳዊ ርክባት ምስ ግብፂ፤ ኑብያ፤ ኣረብያ፤ ፐርሽያ፤ ህንዲ፤ *ምትእትታው ሃይማኖታዊ እምነታት (ክርስትና፤ እስልምና፤ ጁዳይዝም፤ ሄሌኒዝም) *ሰብ ኩሉ ብማዕርነት (ፆታዊ ማዕርነት) *ሃይማኖትን መንግስትን ነንበይኖም ይኩኑ፤ መሬት ንዝሓርስ ይወሃብ፡፡ |
*ኣክሱም/ትግራይ ካብ ኣርባዕተ ሃገራ ሓንቲ ኮይና (ባቢሎኒያን ኪንግዶም፤ ኢጅብሻን ፓይራሚድ፤ )
*ኣብ ግዝኣት ሮማን ኢምፓየር ዝለዓለ ቦታ ነይርዋ *ኣብ ወፃኢ ዲፕሎማሲ ዝለዓለ ቦታ ነይርዋ *ብመራክብ ዝተሓገዘ ዕዳጋ ዓለም ተፈጢሩ *ንህዝቡ ኢትዮጵያ ኣዘሚና |
*ብወለዶም ዝተኣታተው ክፍፍል ዘርኣዊነት፤ ንዕቀትን ሰብኣዊ ፍጥረታት ብኩሎም ምቅፃሉ *ስራሕ ፈጣራነትን ፍቅርን ከም ባህሊ ትሑት ምካኑ *ስርቆት ኣእምራዊ ፈጠራታት *ብተጋሩ ዝመፀ ፈጠራ ምጥፋእ *ተጋሩ ከይመሃሩ ፅዕንቶታት ምግባር *ዘርኢ ተጋሩን ካልኦት ንምጥፋእ ፃዕርታት ምክያድ *ምስ ካልኦት ዓድታት ብምሕባር ሽርሒ ምጥፋእ ዘርኢ *ዕፅዋ ብምክያድ ህዝቢ ክሃልቅ ምግባር |
ሰሎሞናውያን ስርወ-መንግስት |
*ኣቡን ተ/ሃይማት
*ይኩኖኣምላክ *ንጉስ ኣምደፅዮን (1314-1344) *ሃፀይ ዘራያቆብ *ልብነድንግል(1516) *ንጉስ ተ/ሃይማት *ንጉስ ሚኒሊክ |
*እደ-ጥበብ (ብረት፤ ወርቂ፤ ብሪ፤ ሽመና፤ ዕትሮ፤ ወዘተ) ዝሰርሑ ቡዳታት እዮም ተባሂሎም ክግለሉን ኣብዘለውሉ ተሃዲኖም ክቅተሉን ተገይሩ
* ካልኦት ንግዲ ተሪፎም፤ ንግዲ ባርያ ተጀሚሩ፤ሰብ ከምዓቅሓ ናተመዘነ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ተቸብቺቡ- 10000000 ባሮት ተሸይጦም *ልመና፤ ጎደና ሓደርነት፤ ሽርሙጥና ተኣታትዩ |
*ጥበብን ጥበበኛን ተቀቲሉ- *ኣፈኛን ወዳሲን ቦታ ረኪቡ፤ *ከም እምነት እደ-ጥበበኛ ከምዝብዒ በላዒ ሰብ ኮይኑ ተራእዩ፤ መንፈስ ስራሕን ፈጠራን ሞይቱ
*ብሹም ባርያነት ክብሪ ሰብኣዊነት ወሪዱ፤ *ሰብ ከም ዓቅሓ ተራእዩ ሰብ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ባዶ እግረን ክከዳ፤ ፀጉረን ተላፅየንን ሓሚቀንን ክነብራ እምነት ኮይኑ ተኣታትዩ- ኣብ ጎጃም ክሳብ ሕዚ ዘሎ እምነት እዩ- *ሽርሙጥና፤ ልመና፤ ጎደና ሓደርነት ነውሪ ዝበሃሉ ዝነበሩ ኣብዚ ዘመን ንቡር ኮይኖም |
||
ዘመነ መሳፍንት | *ኣብ ዘመነ ውቤ | *ኣብ ትግራይን ተጋሩን ከቢድ ግፍዒ ፈፂሙ (ትግራወት ንብረቶም ተዘሪፉ፤ ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚፀን፤ ኣወዳት ተሰሊቦም-ዘርኢ ንክጠፍእ ኣስተዋፅኦ ጌሩ) |
*ሰብ ናብ ስደትን ልመናን ክከድ ኣስተዋፅኦ ጌሩ
*ሰባት ኢሰብኣዊነትን ተግባር ክፍፅሙ ኣስተዋፅኦ ጌሩ |
||
ዘመነ ሚኒሊክ |
*ርክባት ምስ ጣልያን
*ስርቆት ዘመናዊ ትምህርቲ *ዂናት ዓድዋ |
*ኣብ እዋን ሃፀይ ዮሃንስ ብሕቡእ ምስ ጣልያን ብምርካብ ኤርትራ ንምሽጣጥ ተሰማሚዖም፤ ድሕሪ 2 ወርሒ መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ምስ ጣልያን ኣብ ውጫለ ተሰማሚዖም ኤርትራ ሸይጦምሉ
*ኣብ ትግራይ ዝተኣታተወ ዘመናዊ ት/ቲ ኣጥፊኦም ዘመናዊ ት/ቲ ኣእቲወ ኢሎም *ኣብ ዂናት ዓድዋ ኣብ ቤተክርስትያን ተሓቢኦም |
|||
ዘመነ ሃ/ስላሴ |
*ኣብያተ ት/ቲ ትግራይ ምዕፃው
*ሓፍ ዘይብል ግብሪ ምውዳቅ ድርቂን ሕማምን ተኣታትዩ-ሓገዝ ተከልኪሉ *ምክፋት ዂናት 1ይ ወያነ |
*ኣብያተ ት/ቲ ተዓፂየን
*ከቢድ ግብሪ ወዲቁ *1ይ ወያነ ጦርነት ተከፊቱ-ብሓገዝ እንግሊዝ 119 ቦንብታት ተደብሪዮም *ብራስ ኣበበ መናእሰይ ራያን ወጀራትን ተሰሊቦም፤ ኣዋልድ ተዓሚፀን |
*ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጠናኪሩ ቀፂሉ
*ክፍፍል መካንንቲ ትግራይ |
||
ዘመነ ደርጊ |
*ድርቂን ስደትን ከም መስርሕ ምጥፋእ ዘርኢ
*ደብዳብ ኣየር-ዘርኢ ምጥፋእ *ምክልካል ምሽማት እክሊ ካብ ጎረባብቲ |
*ድርቂ 77፤-ስደት ሱዳን፤ ጋምቤላ
*ምስ ራሽያ ብምትሕብባር ደብዳብ ኣየር ሓውዜን |
*ልዕሊ 500000 ሰባት ሱዳን
*ልዕሊ 15000 ኣብ መገዲ ሞይቶም *2500 ኣብ ሓደ መዓልቲ (ኣብ ሓውዜን) ብኣየር ድብደባ ተቀቲሎም |
||
ዘመነ ኣብይ |
*ትግራወት ንምፅናት ብትልሚ ተንቀሳቂሶም
*ብውግእ (መናእሰይ ኣብ ዝተረክብሉ ሃዲንካ ምቅታል/ምቅፃል/ ናብ ገደል/ ውሕጅ ምውርዋር፤ ደቂ ኣንስትዮ ምዕማፅ ፤ *ብዕፅዋ (መግቢ፤ መድሓኒት፤ ካብ ሰብ ርክባት ምክልካል) *ተጋሩ ሃዲንካ ምህጋር |
*ኤርትራ፤ ሶማሊያ፤ ኣረብ-ኢመረትስ፤ ራሽያ፤ ቻይና፤ ኢራን፤ እስራኤል፤ ምክልካል ሃገር፤ ፋኖን ምልሻ ኣምሓራ ዝተሓባበሩሉ ዂናት ትግራይ ኣብ ምፅናት ትግራዎት ብሕብረት ሰሪሖም |
ኣብ ሓልዮት ዝተመስረተ ግና ዝንቡዕ ዝኾነ ኣስተዋፅኦ መራሕቲ ትግራዎት፤-
- ዛግወ-ስርወ-መንግስቲ ተዳኺሙ ናብ ሰለሞናዊያን ስርወ-መንግስቲ ንክሰጋገርን ሕጊ ክብረ-ነገስት ክዳሎን ትግራዎት ተሃድሶ ብምግባር ኣጠናኪሮምሎም
- ንግስና ናብ ጎንደር እንትሰጋገር እውን ትግራዎት ሓለውቲ/ተኸላኸልቲ፣ ሃነፅቲን ወደስቲን ናይቲ ቤተ-መንግስቲ ነይሮም
- ልብነ-ድንግል ብ ግራኝ መሓመድ መጥቃዕቲ በፂሑዎ ትግራዎት ንሽዋ ንምሕጋዝ ምውፋሮም
- ናይ ጎንደር ገዛኢ ዝነበሩ ራስ እዮኦስ ብሰራዊት ኦሮሞ ተከቢቦም ስለዝነበሩ ንራስ ስሑል ሚኪኤል ትግራይ ረዳት ተፀዊዖም 30,000 ሰራዊት ሒዞም ብምኻድ ኣምሓራ ካብቲ ዝነበረ ክባ ኣድሒኖምዋ
- ሃፀይ ዮሃንስ ካብ ንጉስ ሚኒሊክ ዝተላእኹ ባህታዊ ተታሊሎም ናብ ዘይኮነ ቦታ ከይዶም ተዋጊኦም
- ህወሕት ኢትዮጵያ ምስተቖፃፀረ ኩሉ ነገራቱ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ጌሩ ሃፍቲ እታ ዓዲ ንኻልኦት ክልላት/ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብፍትሓዊነት ከከፋፍልን ምሕደርኡ ናብ ክልላት ኣውሪዱ ከጠናክር ዝነበሮ ብዚያዳ ኣዲስ ኣበባ ኣጠናኪሩ ምውፅኡ ስትራተጂክ ፀገም (ፖለቲካዊ፤ ኢኮኖሚያዊ፤ ማሕበራዊ፤ ቴክኖሎጂካዊ) ከምዝፈጠረ ምርዳእ የድሊ፡፡ ዘይፋለጣ ክፍለሃገራት ብስመ ክልል ኣምሓራ ናብ ሓደ ወዲቡን ኣጠናኪሩን ምውፅኡ ብናተይ እምነት ውሽጥኻ (ትግራይ) ኣብ ምጥንኻር ክንድዝስራሕ ንባዕልኻ ገዲፍካ ንኻልኦት ዝለዓለ ተገዳስነት ጌርካ ንምሕጋዝ ምፅዓር ዓርስኻ ናይ መስዐሪ ስትራተጂ / self-deafiting strategy/ ምዃኑ ካብዚ ንሕናን ዝነበሩ ወለድናን ዝገብርዎ ዝነበሩ ተግባራት ምርዳእ ይከኣል፡፡