ባህጊ ዝበሃል ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ውለቃዊ ወይ ማሕበሰባዊ ምዕባለኡ ንቀፃሊ እዋን ንክኾኖ ወይ ንክኽወነሉ ዘደልዮ ወይ ዝትምነዮ ብሓሳብ ዝገልፀሉ ኣምር እዩ። ባሕጊ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ብሓባር እንትጥመር ወይ እንትውደብ ባህጊ ማሕበረሰብ ይኸውን። ስለዝኾነ ባህጊ ተጋሩ እንትንብል ሓባራዊ ድልየት ወይ ተመንዮ ተጋሩ ከም ማሕበረሰብ ዝሓቁፍ ሃገሮም ቀፃልነትን ውሕስነትን ዘለዋ ሃለዋታ፣ ሰላማ፣ ደሕንነታን ምዕባለኣን ክዉን ዝግበረሉ መስርሕ እዩ።
ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እንትንዕዘብ ኣብ ዝሓለፉ መዋእላት ከም ማሕበረሰብ ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያንን ውሽጣዊን ወረርቲ ሃለዋቱን ምዕባለኡን ንድሕሪት ዝጎቱ ፈተናታት ኣጓኒፎምዎ እዮም። ነዞም ፈተንታት ንምብዳህ ብፅንዓት እናተቃለሰ ከቢድ ዋጋ ብምኽፋል ክብሪታቱን መንነቱን ኣኽቢሩ ፀኒሑ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል እውን ብገዛእቲ ደርብታት ንዝበፅሖ ዝነበረ ከቢድ ማሕሰይቲ ንምንጋፍ ብሓድነት ተወዲቡ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ብምቅላስ ደሙን ዓዕፅምቱን ከፊሉ ውሕስና ደሕንነቱ ሃለዋቱን ዘረጋግፅ ምስ ኩሎም ብሄራትን ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ተኸባቢሩ ዘንብሮ ፌደራላዊ ስርዓት መስሪቱ ነይሩ። ይኹን እምበር ነቲ ዝተመስረተ ስርዓት ብዝተፈላለዩ ተፃባእቲ ሓየልታት ተኾሊፉ ባህጊ ተጋሩ ተመሊሱ ናብ ዕንክሊል ኣትዩ ኣሎ። ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ሃለዋቱን ደሕንነቱን ውሑስን ዘላቒን ንምግባር ኣብ ሓዱሽ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ይርከብ።
ኣብዚ እዋን እንበኣር ባህጊ ብንፁር ኣለልይኻ ምቕማጥ መፃኢት ትግራይ ብፖለቲካዊ፣ ብማሕበራዊ፣ ብስነቁጠባዊን ብሳትምን ክትበፅሖ ዝድለይ ብራኸ ምዕባለን ኣንፈቱን ንምቕማጥ ሓጋዛይ እዩ።
ሂወት ውሃብቲ ዓቕምታት
ህዝቢ ትግራይ ብ ናይ ነዊሕ ዘመን ህንፀት ብሄር ጉዕዝኡ ዝሃነፆም ምልኣት ሂወት ዝህብዎ ፤ ስምረትን ባህታ ዝፈጥርሉ ፤ መስተንክራዊ ዓወት ንኽዕወት ዘኽእልዎ ዓቕምታት ሃኒፁ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ማሕበረሰብ መንነት ፤ ከም ግልሰብ ኣነነት ዝፈጠረ ህዝቢ ስለዝኾነ ክምዕብልን ሓራ ክወፅእ ዘኽእል ናይ ለውጢ ባህግን ሓይልን ኣለዎ ። ለውጢ ናይ ምቕባልን ናይ ምሃዛይነት ዓቕምታት እውን ከምዘለዎ ጉዕዞ ታሪኹ ይገልፅ ። ኣብ ውሽጡ ዘለዎ ስምረት እውን ካብቶም ሂወት ውሃብቲ ዓቕምታቱ ሓደ እዩ ። ህዝቢ ትግራይ ሓርነቱ ዝፃባእ ደጋዊ ኩነት ከጋጥሞ ከሎ ብ ናይ ገድሊ ባህሊ እዩ ዝምክቶ ። ህዝቢ ትግራይ ኩነተ ስግረ-ኣነነት ፤ መስዋእትነት ፤ ሙሉእ ትኹረት ኣብ ዕላማ ፤ ባዕለ-ዕላማዊነት ፤ ስምረት ፤ ምሃዛይነት ክብርታት ዘለዎ ናይ ገድሊ ባህሊ ኣማዕቢሉ እዩ ። ህዝቢ ትግራይ ዓሚዩቕ ናይ ሰብኣዊነትን ፍትሓዊነት ኣጠማምታን ባህርን ዘለዎ ህዝቢ እዩ ። ኩሉ ሰብ ከም ሰብ ምርኣይ ፤ ኩሉ ሰብ ብ ማዕርነት ምርኣይ ኣጠማምታን ልምድን ኣለዎ ። ናይ ፍትሓዊነት ባህሉ ብ ኻልኦት ህዝብታት ክእመን ዘኽእል ኣዎንታዊ ሕመረት እዩ ።
ናይ ትግራይ ምትእስሳር ፅባቐታት
ትግራይ ኣብ ዓለም ናይ ምትእስሳር መድረኽ ንኽትከውን ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፀጋታት ኣለዉዋ ። ቀዳማይ ናይ ንኡሽተይነት ፅባቐታት ዝኾኑ ብ ቐሊሉ ምንቅስቓስን ምትእስሳርን ዓቕምታት ኣለውዋ ።
ካልኣይ ትግራይ ን ኻልኦት ሃገራት ክተበርክቶ ትኽእሎ ንምትእስሳር ዝጠቕማ ዓቕምታት ኣለውዋ ። ታሪኻዊ ፤ ተፈጥሮዊን ባህላዊ ናይ ቱሪዝም መስሕብ ኣለዋ። ን ኹሎም ሃይማኖታት ብ ፍትሓዊነት ዘስተናገደት ዓዲ ብምዃና ንኹሎም ደቂ-ሰባት ምኣዲ ክትከውን ትኽእል እያ። ሓቅነት፤ ፍትሓዊነትን እሙንነት ዘለዎ ባህሊ ምህላዉ ናይ ፋይናንስ ፤ ንግዲን ፍትሒ ሕምብርቲ ንኽትከውን ዘኽእላ እዩ ። ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ናይ ሰላም ፤ ድሕንነትን ሓርነት ውህሉል ዓቕሚ ንናይ ዓለም ሰላም፤ ድሕንነትን ሓርነት ባህጉ ከበርክት ዘኽእል እዩ ። ናይ ተጋሩ ናይ ምምሃር ፤ ምሃዛይነትን ለውጢ ምቕባል ባህሊ ን ናይ ዓለም ምዕባለ ትምህርቲ ከበርክት ዘኽእሎ እዩ ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ተፎጥራዊ ምህዳር ፤ ረቂቓዊ ምህዳርን ተጋሩ ዘለዎም መበቋላዊን ዘመናውን ናይ ሕክምና ጥበብን ዓቕምን ንናይ ዓለም ጥዕና ኣብዩ ግደ ክፃወት ይኽእል እዩ ። ትግራዋይ ሓቦ ፤ ድፍረትን ምሃዛይነት ዓቕሚ ስለዘለዎ ናይ ስራሕ-ፈጠራ ዕቑር ዓቕሚ ኣለዎ ። እዚ ናይ ስራሕ ፈጠራ ዓቕሚ ኣብ ዓለም ወሳናይ ግደ ንኽፃወት ዘኽእሎ እዩ።
ሳልሳይ ናይ ትግራይ ኣቀማምጣን ባህልን ናይ ምዕራብን ምስራቕን ፤ ዓረብን ኣፍሪቃን ፤ ኣፈታሪኻዊን ሓሳባዊን መዋቕራት ማሕበረሰብ ከትኣሳስር ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዎ ።
ራብዓይ ናይ ኣኽሱም ስልጣነ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ፀለውትን ኣትኣሳሰርቲ ስልጣነታት ሓደ ዝነበረ እዩ ። ተጋሩ ናይዚ ስልጣነ ትውስታ ስለዘለዎም ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ናይ ምትእስሳር ግደ ምፅዋት ይኽእሉ እዮም ።
ሓምሻይ ትግራይ ዘለዋ ስግኣት ብሄራዊ ድሕንነት ዝልዓለ ምኾኑ ህልውና ትግራይ ንምቕፃል ትግራይ ናይ ግድን ናይ ስሕበት ማዕኸል ክትከውን ኣለዋ ።
ሻድሻይ ኣብ ዘፈራት ሰላም ፤ ድሕንነት ፤ ሓርነት ፤ ጥዕና ፤ ታሪኽ ፤ ፍትሓዊነት ፤ ስራሕ ፈጠራ ትግራይ ኣብ ዓለም ፅቡቕ ስም ኣለዋ ።
ስለዝኾነ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዮ ዘፈራት ማለትውን ኣብ ዘፈር ሰላም ፤ ወታደራዊን ፤ ድሕንነትን ሓርነትን ፤ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ፤ ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ፤ ኣብ ዘፈር ንግዲ ፤ ኣብ ዘፈር ፍትሒ ፤ ኣብ ዘፈር ጥዕና ፤ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ፤ ዘፈር ሃይ-ቴክ ፤ ዘፈር ሚድያ ናይ ምትእስሳር መድረኽ ምኾን ትኽእል እያ ። ትግራይ ዋና መዕቀኒኣ ሕመርታዊ ባህጋ ዝኾነ ሓርነት ከም ቀንዲ ሓባሪ ገይራ ብምውሳድ ዓለምለኻዊ ሓርነት ደረጃ ( Global Harnet Index) ንኽተኣታቶ ኣበርክቶ ምግባር ትኽእል እያ።
ባህግታት ሂወት ህዝቢ ትግራይ
ባህጊ ክብሃል ከሎ ን ግለሰባትን ማሕበርሰባት ናብ ሙሉእነት ዝወስድ ናይ ለውጢ ኣንፈት ማለት እዩ ። ባህጊ ማለት ን ደቂ-ሰባት ሂወት ዝህቦም ፤ ህንጥይና ዝፈጥረሎም ፤ ዘፍቅርዎ ፤ ናብ ምልኣት ዝውስዶም ፤ ዓውት ዝፈጥረሎም ናይ ለውጢ ኣንፈት እዩ ። ባህጊ ማለት ኣብ ግዜ ቀውሲ ዓቕሚ ዝፈጥር ፤ ኣብ ግዘ ሓመድ ምልሓስ ዝኹላዕ ናብ ሙሉእነት ዝውስድ ናይ ለውጢ ኣንፈት እዩ ። ባህጊ ደቂ-ሰባት ዝፈልጥዎ ፤ ክብሪ ዝህብዎ ን ትኹረት ዝህብዎ ናይ ለውጢ ኣንፈት እዩ ።
ባህጊ ስዒቦም ዝተጠቐሱ ዝተፈላለዩ ባህርታት ከማልእ ኣለዎ ።
- ቀዋሚነት ዘለዎ
- ውሽጣዊ ፤ ኣብ ደገ ኩነት ዘይምስረት
- ተቓርኖ/ጎንፂ ዘይፈጥር ፤ ን ኻልኦት ህዝብታት ዘይጎድእ ፤ ናይ ደቂ-ሰባት ዓቕሚ ዝዕቢ እምበር ፤
- ምስ ባህጊ ደቂ-ሰባት ዝውሃሃድ ፤ ን ደቂ ሰባት ዕብየት ዝጠቅም ፤ ናይ ደቂ-ሰባት ናይ ብሉፅነት ክስተት
- ንዝተፈላላዩ ባህግታት ዓንዲ ኮይኑ ዘገልግል
- ሞራል ትኽክለኝነት ዘለዎ
- ኣብ ኩሎም ሸነኻት ልቦና (ሓሳብ ፤ ስምዒት ፤ ባህሪ ፤ ተግባር) ዝግለፅ
- ፍሉይነት ዘለዎ
- ጥንካረ ዝጥቀም ጉዕዞ
- ግለ-ሰባዊ ፤ ማሕበርሰባዊን ዓለምለኻዊ ኣንፈታት ዘፃምር
ትሕዝቶ ባህጊ ፀፍሓዊ (layered) ፤ ኩሉሞ ሸነኻት ልቦና ደቂ-ሰባት ዝድህስስ (multi-dimensional) ፤ ዝተፈላለዩ ብርክታት ልቦና ዝሓዘ (multi-levels) ፤ ብዝሃነት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ ።
ባህጊ ካብ መሰረታዊ ባህጊ ተፈጥሮ ፤ መሰረታዊ ባህጊ ደቂ-ሰባት ፤ ብርኪ ስልጣነን ንቕሓት ህሊናን ፤ ቅርፂ ልቦና ክብርታትን ትውስታ ይምንጩ ።
ሂወት ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓርነት ጉዕዞ እዩ ። ኣብ ቀፃሊ ምንቅስቓስን ስግግርን ዝርከብ ደውታ ዘይብሉ ጉዕዞ ሓርነት ። ኣርባዕተ ፀፍሕታት ባህጊ ኣለዎ ። ሓርነት ፤ ስምረት ፤ ምዕባለን ድሕንነትን እዮም ። ኣካላዊ ፤ ኣእምሮዊ ፤ ዝምድናዊ(ልባዊ)ን ፍቓድን ሸነኻት ልቦና ዝሓዘ እዩ ። ዝተፈላለዮ ብርክታት ዝድህስስ እዩ ።
ሓርነት ስግረ ውሽጣውን ደጋውን መሐይሮታት ፤ ፍርሕታት ናይ ምኾን ኣንፈት ለውጢ እዩ ። ሓርነት ናብ ውህደት/ምልኣት ዝግበር ምንቅስቓስ እዩ ። ሓርነት ባዕልኻ ምኾን ፤ ዓርሰ-ምርኮሳ ፤ ዓርሰ-ተበግሶ ፤ ሉዓላውነት ፤ ዓለምለኻዊ ምትእስሳር ፤ ኣብርሆት (ኣእምሮዊ (cognitive) ፤ ልቦናዊ (emotional) ፤ ረቂቓዊ (meaning) ፤ ስግረ-ኣነነት (transcendence) ) ፤ ትብዓት ፤ ክኣልነት ዓቕምታት ዝሓዘ ባህጊ እዩ ።
ስምረት ናይ ምትእስሳርን ን ፍልቀታዊ ጉዕዞ መጫጭሒ (space) ናይ ምኾን ኣንፈት ለውጢ እዩ ። ስምረት ስምረት ምስ ባዕል ፤ ስምረት ምስ ንሕና ፤ ስምረት ምስ ካልኦት ፤ ስምረት ምስ ከባቢና ፤ ስምረት ምስ ተፈጥሮ ፤ ፍትሓዊነት ፤ ስብኣዊነት ፤ ዓለምለኻዊ ናይ ምትእስሳር ማዕኸልነት ዓቕምታት ዝሓዘ ባህጊ እዩ ።
ምዕባለ ናብ ምልኣት/ውህደት ዝግበር ደውታ ዘይብሉ ተቐፃፃሊ፤ ተመላላኢን ትካላዊን ናይ ዕብየትን ምምሃርን ከይዲ እዩ ። ብሉፅነት ትግራይን ተጋሩ ዝኹስኩስን ናብ ነገራዊ ሓይሊ ዝቕይር ከይዲ ፤ ዝተውሃሃደን ን ኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ማሕበርሰባዊ ፤ ኢኮኖሚ ን ቴክኖሎጂ ልምዓት ፤ ን ዕብየት ደቂ-ሰባት ምብርካት ዓቕምታት ዝሓዘ እዩ ።
ድሕንነት ደቂ-ሰባት መሰረታዊ ናይ ህልውና ሕቶታቶም ዝምልስ ኩነት/ባይታ እዩ ። ድሕንነት ሰባት ካብ ደጋዊ ፍርሒ ነፃ ዝኾኑሉ ብርኪ እዩ ። ድሕንነት መሳርሕታት ብሄራዊ ሓይሊ ምህናፅን ምጥቃምን ዝሓዘ እዩ ። መሳርሕታት ብሄራዊ ሓይሊ ፖለቲካዊ ፤ ዲፕሎማስያዊ ፤ ኢንፎርሜሽን ፤ ወታደራዊ ፤ ኢኮኖሚ ፤ ስነ-ልቦና ሸነኻት ዘለዎ እዩ ። ድሕንነት እቲ ዝውሓደ ድሌት ደቂ-ሰባት እዩ ።