ኣብዚ እዋን እዚ ከም ተጋሩ ሓድነትና ሰጢሙ ናብ ሓደ ኣንፈት ክንተምም ዝገብረና ጉዳይ ህላወ ንፅረት ኣብ ብሄራዊ ዕላማ እዩ። ህላወ ንፅረት ኣብ ብሄራዊ ዕላማ ኽፍጠር ዝኽእል ድማ ብውሕዱ ኣብዘን ቀፂለን ቀሪበን ዘለዋ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት ማሕበረሰባዊ ልዝብ (Discourse) ክካየድን ኣብ ስምምዕ ክብፃሕን ምስ ዝከኣል ጥራሕ እዩ።
- ብሄራዊ ዕላማታትን ረብሓታትን ትግራይ እንታይ እዮም?
- ሕዚ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ክስማዕመዐላ ዝኽእል እታ ዝንኣሰት ግን ድማ እተሳግረና ብሄራዊ ፖለቲካዊ ዕላማ እንታይ ትኹን?
- ብሄራዊ ረብሓታትን ዕላማን ትግራይ ናብ መሬት ንምውራድ ክህልወና ዝግባእ ቀንዲ (Grand strategy) ስትራቴጂ እንታይ ይኹን?
ብመሰረት እዚ ድማ ኣነ ከም ሓደ ግዱስ ውልቀሰብ ትግራዋይ ኣብዘን ሕቶታት ዘለኒ ኣጠማምታ ብዝምልከት እዛ መበገሲት ፅሑፍ ከቕርብ ተበግሶ ወሲደ ኣለኹ። ናይ እዛ ፅሕፍቲ ቀንዲ ዕላማ ድማ ትኹረትን ሓይልን ኣእምሮ ተጋሩ ናብ ቀንዲ ዛዕባ ንምስሓብ ኣምበር ውዱእ ሓሳብ ንምቕራብ ኣይኮነን። እዙይ ዝበልኩሉ ምኽንያት ከዓ 1) ብሄራዊ ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት ብዘየቋርፅ ህዝባዊ ልዝብን ስምምዕን ዝፍጠሩን ዝዓብዩን አምበር ካብ ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ከዓ ማእኸል ዝፈሱ ክኾኑ ኣይኽእሉን ዝብል እምነት ስለዘለኒ። 2) ኣብ ብሄራዊ ዛዕባታት ዝግበር ልዝብ ኣካል ከይዲ ህንፀት ብሄራውነት ኮይኑ ብኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዝምዕብል ሕልኽላኻዊ ኣምር እምበር ኣብ ዝኾነ ተጀሚሩ ዝውዳእ ቀጥታዊ ሓሳብ (Linear concept) ስለዘይኮነ እዩ።
ካልእ ናይዚ መበገሲ ሓሳብ ኣድላይነትን እዋናውነትን ዝምልከት ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። እዚ ሕቶ ክልተ መበገሲታት ክህልውዎ ይኽእሉ እዮም። 1) ትግራይ ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ ወዲቓ እናሃለወት ብዛዕባ ረብሓን ፖለቲካዊ ዕላማን ትግራይ ምልዛብ እዋናዊ ኣይኮነን ዝብል እዩ። 2) ኣብዚ ልዝብ እንተተጀሚሩ ናይ ሓሳብ ምፍልላያት ተፈጢሮም ሓድነትና ክዘርጉ እዮም ዝብል እዩ። ኣነ ዘለኒ መልሲ ድማ በዘን ዝስዕባ ምኽንያታት እዋናውነትን ኣድላይነት ናይዚ ዛዕባ ይምጉት። 1) ገጢሙና ዝኒሀ ናይ ህላወ ፈተና መበገስን መፍትሕን ምስ ህላወ ንፅረትን ትግባረን ኣብ ላዕሊ ተላዒለን ዘለዋ ሕቶታት ዝተኣሳሰር እዩ። ምኽንያቱ ትግራይ ቅድም ኢላ ብሄራዊ ርብሓኣ ነፂራ ብሄራዊ መንግስትነት ትግራይ ኣብ ምህናፅ እንተትረባረብ ነይራ በዞም ሕዚ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖምና ዘለው ሓይልታት ብቐሊሉ ኣይምተደፈረትን ነይራ። 2) ሕዚ ገጢሙና ዝኒሀ ብሄራዊ ቅልውላው ቀዲምና ዘይሰራሕናዮ ብሄረ-መንግስትነት ትግራይ ንምህናፅ ከም ዕድል ክንጥቀመሉ ስለዘኽእለና። 3) ዲሞክራሲያዊ ልዝብ ንሽርሕታት ኣፍሺሉ ሓይልን ሓድነትን ሓይልታት ትግራይ ስለዝሃንፅ እዩ።
ትሕዝቶ እዛ ሓፃር ፅሑፍ ከምዝስዕብ እዩ። ፈለማ ኣብዚ ዛዕባ ልዝብ ንኽግበር ደፋእቲ ጉዳያት ክቐርቡ እዮም። ቀፂሉ ብሄራዊ ርብሓታት ትግራይ እንታይ ይኹኑ ዝብል ጥቕሉል ሓሳባት ክልዓሉ እዮም። ብሳልሳይ ብርኪ እንታይነትን ኣድላይነትን ህላወ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ዕላማ ክቐርብ እዩ። ኣብ መወዳእታ ሕቶ ንፅረት ኣብ ጥቕሉል ብሄራዊ ስትራቴጂ ትግራይ ዘለኒ ርኢቶ ከካፍል እየ።
I.ደፋእቲ ረቛሕታት
- ህዝቢ ትግራይ ካብ ዕንክሊል ወጺኡ ንሓዋሩ ህልውናኡን ድሕንነቱን ናብ ከረጋግፀሉ ዝኽእል ናይ ሰላምን ምዕባለን ምሕዋር ክኣቱን ኣኽሱማዊ ስልጣነ ጨቢጥዎ ኣብ ዝነበረ ዓለማዊ ቦትኡ ክመልስን እንተኾይኑ ኣብ ዘላቒ ብሄራዊ ረብሓታቱ ኢሉ’ውን ብሄራዊ ረብሓታቱ ንምርግጋጽ ክህልዎ ኣብ ዝግባእ ሕቶ ስረታን ህንፀትን ብሄረ-መንግስትነት ትግራይን ሓደ ዓይነት ኣጠማምታ ዝምስረት ብሄራዊ ሓድነት ክፈጥር ኣለዎ። እታ ሕድ ሕድ ትግረዋይ ዝብህጋ ትግራይ ናበይ ክትመርሽ ከምዘለዋ፣ ክህልውና ዝግባእ ብሄራዊ ዕላማታት፣ክብርታትን ትካላውነትን እንታይ ኽኾኑ ከምዝግባእ ንፅረት ክህልወና ኣለዎ። ንፅረት ምስ እንፈጥር ድማ እቶም ሐዚን ብቐፃሊን ዝህልውና ብሄራዊ ዕማማት ሓቀኛ ህዝባዊ ሓባሪ ኣንፈት (Compass) ረኺቦም ናብ ሓደ ኣንፈት ዝውሕዝሉ ዕድል ክፍጠር እዩ።
- እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝኒሀ ፈተና ናይ ዕንክሊል ዑደት (vicious circle) ሰይርና ናብ ናይ ስልጣነ ዑደት (virtuous circle) ስግረት ንምርግጋፅ ከም ዕድል ክንጥቀመሉ ይግባእ። እዚ ዕድል እዚ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ሓደ ግዘ ዘጋጥም ክስተት እዩ። ስለዝኾነ ድማ ከም ብሄራዊ ነጥቢ መቐይሮ ኽንሪኦ ይግባእ። እዚ ኩነታት ናብ ዕድል ለዊጥና ንምስጋር ክንጥቀመሉ እንኽእል ግና ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ሓቛፋይ መስርሕ ምርድዳእ ኣብ ብሄራዊ ዕላማ፣ባህግታትን መንገድታቱን ምስ እንፈጥር ጥራሕ እዩ።
ብሄራዊ ባህግታትና (Tigreans’ national interests) እንታይ እዮም?
ተጋሩ ንሓንሳብን ንመወዳእታን ዕንክሊል ሰይርና ናብ ዘየቋርፅ ናይ ስግረት ዑደት ክንኣቱ እንኽእል ኣብ ብሄራዊ ባህግታትና ንፅረትን ምርድዳእን ክንፈጥር ምስ እንኽእል ጥራሕ እዩ። ናብ ሓበራዊ ብሄራዊ ባህግታት ምንፃር መስርሕ ንኽንኣቱ ድማ እዘን ዝስዕባ ቅድመ ኩነታት ክማልኣ ኣለወን። ንሳተን እውን ናይ እቲ ሕዚ ከም ሕብረተሰብ ዘለናሉ ኩነታት ባህርታትን መስረታዊ ምኽንያታትን ግልፅነት ምፍጣር፣ እዚ መድረኽ ሒዙልና መፂኡ ዘሎ ዕድል ነጥቢ መቐይሮ ኣለሊና ንምጥቃም ሙሉእ ድልውነት ምርግጋፅ፣ ብሄራዊ ራእይ ምምዕባል፣ ሕብረተሰባዊ ስግግር ዘረጋግፅ ምንቅስቓስ ክፈጥር ዝኽእል ብሄራዊ ፖለቲካዊ ሃዋህውን መሪሕነትን ምፍጣር እየን።
ብናተይ ኣጠማምታ ሕዚ ተጋሩ ኣብ ዕንክሊል ኣለና። እቲ ዕንክሊል (ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ፈተናታት) ድማ መቐፀልታ ናይቲ ድሕሪ ምውዳቕ ኣኽሱማዊ ስልጣነ እናንከራረወ ዝመፀ ዘይተፍትሐ መሰረታዊ ፀገማት እዩ። ኣብ ውድቀትና ዘይምዕሩይ ከባቢያዊን ዓለማውን ኩነታት ዕዙዝ ግደ እንተሃለዎ እውን ብቐንዱ ግና ውሽጣዊን ባዕላውን እዩ። እቲ ሕዚ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ክንከፍሎ ዘይግበኣና ከቢድ ኪሳራን መስዋአትነት ዘኽፈለናን ዝቕፅል ዘሎን እንተኾነ እውን ናይ ዕንክሊል ጉዕዞና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ሰይርና ንኽንወፅእ ዘኽእለና ዕድል’ውን ዝሓዘለ ምዃኑ ተረዲእና ክንጥቀመሉ ይግባእ። ስለዚ ቀንዲ ጠመተና ብሄራዊ ራአይና ምርግጋፅ ኩለመዳያዊ ሓርነት ትግራይ ክኸውን ኣለዎ። ሓርነት እንትብል እንተለኹ ሙሉእ፣ ዓርሳዊ፣ ከይዲን ዕላማን ዘጠቓለለ እዩ። መተኣኻከቢ ዕላማና ድማ ዓለማዊ ቦትኣ መሊሳ ዝወነነት ዲሞክራሲያዊት፣ ሉዓላዊትን ምዕብልትን ብሄረ-መንግስቲ ትግራይ ምምስራትን ምህናፅን ክኸውን ኣለዎ እብል። ኩሉ ምንቅስቓስና ናብ ሓደ ኣንፈት ክፈስስ እንተኾይኑ ድማ ብውሕዱ ኣብዘን ዝቕፅላ ባህግታት ሓበራዊ ምርድዳእ ክንፈጥር ኣለና። ንሳተን እውን ምርግጋፅ ውሑስ ሰላምን ድሕንነትን፣ ምዕባለ፣ ሓርነትን ስምረትን እየን።
- ኣብ ምርግጋፅ ውሑስ ሰላምን ድሕንነትን ተጋሩ ቅድሚ ኩሉ ክረአ ዘለዎ ጉዳይ ብሄራዊ ባህግና እዩ። ሰላምን ድሕንነትን ክንብል እንተለና ድማ ብቐንዱ ህልውና ዝድህሰስን ዘይድህሰን መንነት ትግራዋይነት ምውሓስ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅ፣ ርግኣትን ቅሳነትን ተጋሩ ምስፋን እዩ። እዚ ንኸግሃድ ከዓ ጉዳይ ምልማዕን ምጥቃምን ዓቕሚ ኩሎም መሳርሒ ብሄራዊ ሓይልታት (ፀጥታ፣ ምጣነ ሃፍቲ፣ ዲፕሎማሲ ፣ፖለቲካ፣ ሓብሬታ፣ ማሕበራዊ ማልን(Social capital) ስነልቦናን ተጋሩ) ይሓትት። ብዛዕባ ድሕንነት ትግራይ እንትንሓስብ ድማ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ትግራይ እዩ ኣብ ዝብል መትከል ክምስረት ኣለዎ።
- ውሑስ ሰላም ክህሉን ሕጉስ ሂወት ንኽፍጠርን ኣብ ዘየቋርጽ ናይ ምጣነ ሃፍቲ ምዕባለ ምህዋር ክንኣቱ ውሽጣውን ዓለማውን ምትእስሳር ክንፈጥርን ባህግና እዩ። እዚ ባህጊ እንጠልቦ ድማ ካብ ታሪኻዊ ስልጣነና ብምብጋስን ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ህላወና ክነረጋግፅ ዘኽእለና ስለዝኾነን እዩ። ዘየቋርፅ ናይ ምዕባለ ምህዋር ክንብል እንተለና ብቐንዱ ኣብ ኩለመዳያዊ ህንፀትን ተሳትፎን ሰብ ዘነፃፀረ ኮይኑ ኣብ ምምዕባል ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን፣ ምምዕባል ሃነፅቲ ክብርታት ትግራዋይነት፣ ህላወ ሃናፃይን ሓርነታውን ስርዓተ ትምህርቲ፣ ምትእስሳር ምስ ዓለማዊ ዕዳጋ፣ መዋቕራዊ ስግረት ድሑር ሕርሻን ህንፀት መዋቕር ፍልጠታዊ ምጣነ ሃፍቲን ይምልከት።
- ሓርነት ናይ ውሑስ ድሕንነትን ምዕባለን መሰረትን ቁምነገርን (Foundation & essence) እዩ። ሓርነት ብብርኪ ውልቀሰብን ሕብረተሰብን ዝግለፅ ኣብ ዓርሰ ንቕሓትን ፍልጠትን ዝምርኮስ እሴት ፈጣርን ተደጋጋፋይን ሓይሊ (Value creation & Symbiotic relationship) እዩ። ባዕልኻ ምዃንን ምክብባርን ድማ ሕመረትን መግለፅን ሓርነትና እዮም። ልዕሊ ኩሉ ሰብን ሓሳብን ዘኽብር ብሄረ መንግስትነት፣ ሉዓልውነት ዘረጋግፅ ዓቕምን ስርዓትን፣ ብመርትዖ ብምኽንያት ብሳይንስን ብትግራዋይነትን ዝኣምን ሕብረተሰብ ፣ ሰጓማይ ባህሊን ትካላውነት ዲሞክራሲን፣ ምርግጋጽ ስግረ ዕንቱር ኣንነትን ዝወነት ትግራይ ምግሃድ እዩ ። እዚ ድማ መስርሕን ዕላማን ኣጣሚሩ ዝሕዝ በቢግዚኡ ምዕባለ (Progress) ዝረኣየሉ ሂወት ከኸውን ኣለዎ።
- ስምረት (Integrity) መሰረት ናይቶም ኣብላዕሊ ዝተገለፁ ባህግታት እዩ። ትግራዋይ መንነት ናይ ስምረትና ዓንዲ እዩ። ስምረት ክንብል እንተለና ሓደነት ምስ ባዕልኻ፣ ማሕበረሰብ፣ ዓለምን ተፈጥሮን ማለትና እዩ። ፍሉይነት ዝቕበል ሓድነትን ምሕላው ሚዛን ኣብ ኩለመዳያዊ ብልሕታት (ኣኣምሮ፣ ልቦና፣ መንፈሳዊ፣ሞራል፣ ማሕበራዊ፣ ኣካል ወዝተርፈ) ድማ እቶም ቀንዲ መግለጺታት ስምረት እዮም።
እዞም ኣርባዕተ ባህግታት ኣብ ዝተፈላለየ ግዘ ምስ ዝፍጠር ኩነታት (Circumstances) ንሓድሕዶም ወይ ከዓ ብፅምዶ ዝተፈላለየ ብርኪ ቀዳምነት ዝወሃቦም እንተኾነ እውን ነንባዕሎም ዝተኣሳሰሩን ዝደጋገፉን እዮም። እዚኦም ኣብ ድርድር ዘይኣትው ዘላቕቲ ባህግታትና ጌርና በቢግዚኡ ዝምዕብሉ ባህግታት ከምዝህልውና ምሕሳብ እውን ኣገዳሲ እዩ።
ባህግታትና ክግሃዱ ዝኽእሉ ዝተሳኸዐ ከይዲ ምስረታን ህንፀትን ብሄረ መንግስቲ ትግራይ ምስዝህሉ ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ ጉዳይ ምስረታን ህንፀትን ብሄረ-መንግስትነት ትግራይ ኩሉ ትግራዋይ ክዓስለሉ ዝግባእ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ክንገብሮ ይግባእ።ጉዳይ ምስረታን ህንፅትን ብሄረመንግስቲ ድማ ምስ ምውናን ነፃ ሃገረ ትግራይ ዝተኣሳሰረ እዩ። ኣብዚ ስምምዕ ምስዝፍጠር እዩ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ባህግታት ክነሳኽዕ እንኽእል። ኮይኑ ግና ምግሃድ ነፃ ሃገርነት ብባዕሉ ዕላማ ኣይኮነን። ንምስረታ ብሄረ መንግስትነት ትግራይ ከም ግድነታዊ ኩነታት (necessary condition) እምበር ብቑዕ ቅድመ ኩነታት (sufficient condition) ክኸውን ኣይኽእልን። ውሽጣዊን ግዳማውን ሓርነት ዘየረጋገፀ ሃገርነት ቅሳነትን ምዕባለን ከሳኽዕ ኣይኽእልን። ስለዝኾነ እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዝኒሀ ኩነታት ዲሞክራሲያዊትን (ሓቛፊትን ኣብ ሙሉእ ነፃ ድሌት ተጋሩ ዝተመስረተትን) ሉዓላዊትን ብሄረ-መንግስቲ ትግራይ ንምፍጣር ከመይ ንጥቀመሉ? ብሄረ መንግስቲ ትግራይ ክንብል እንተላና እንታይ ማለትና እዩ? ብሄረ መንግስትነት ከመይ ንምስርትን ንሃንጽን? ዘጋጥሙና መስረታዊ ፀገማትን ዕድላትን እንታይ እዮም? ከመይከ ይፍትሑ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ማእኸል ልዝባትና ንግበሮም። እዞም ዛዕባታት ረዘንትን ዓሞቕትን ስለዝኾኑ ዝተወደአ መልሲ ክህልዎም ኣይኽእልን። ከም መበገሲ ዝኸውን ሓሳብ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ምስረታን ህንፀትን ብሄረ መንግስቲ ትግራይ ከም ብሄራዊ ዕላማ ቃልሲ ተጋሩ
ተጋሩ ባህግታትና ክነሳኽዕ እንኽእል ኩሉ ዓቕምና ኣብ ሓደ ንፁር ብሄራዊ ዕላማ ኣተኣኻኺብና ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ ክንፈጥር እንትንኽእል እዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓቕሚ ተጋሩ ኣተኣኻኺቡ ብዘይምንም ኣፈላላይ ናብ ሓደ ኣንፈት ክመርሐና ይኽእል እዩ ኢለ ዝኣመንኩሉ ቀንዲ ውራይ ድማ ምስረታን ህንፀትን ብሄረ-መንግስቲ ትግራይ ኮይኑ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ብሄራዊ ዕላማ እንታይነትን ትሕዝቶን ዘለኒ ሓሳብ ቅድሚ ምግላፀይ ከም መበገሲ ዝተጠቐምኩሎም ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎም ጉዳያት (Assumptions) ከምዝስዕብ ከቐምጥ ይፈቱ።
- ትግራይ ኣብ ናይ ኣሸሓት ዓመታት ጉዕዞ እቲ ዝለዓለ ናይ ሕብረተሰብ ብርኪ ምዕባለ መግለፂ ዝኾነ ብሄራዊ ውዳበ በፂሓ እያ። ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ከም ሓደ ህዝቢ ዘንቀሳቕስዎ ሓበራዊ እሴታት ትግራዋይነት (ፍትሒ፣ ሰብኣውነት፣ ጅግንነት፣ ሓቛፋይነት ወዘተርፈ) ታሪኻዊ ትዝታታት (ስልጣነ ደኣማት፣ ኣኽሱም፣ ወያነ)፣ ስነልቦናዊ ውቕርታት (ስርዓታውነት፣ ሓላፍነት፣ ቤተሰባውነት፣ ገድሊ ወዘተርፈ)፣ሃይማኖታዊ እምነታት (ክርስትናን እስላምናን)፣ ባህሊ ( ስርዓተ ክብርታት፣ቋንቋ፣ሳዕስዒት፣ ሓዘን ፣ ምልክታት፣ ኣለባብሳ ወዘተርፈ)፣ መሬትን ዓዲቦን፣ ፍልስፍና (ዓርሰ ሙርከሳ፣ ዓርሰ ምሕደራ፣ እምነት መሰረት ዝገበረ ሂወት፣ ዓለማውን ሰማያዊን ሂወት) ወዘተርፈ ብዓል ዋና ኮይኑ እዩ።
- ትግራይ ብፍላይ ኣብ እዋን ስልጣነ ኣኽሱም ወናኒት ስልጣንያዊ መንግስቲ (Civilizational state) ነይራ እያ። ስለዝኾነ እውን ናይ ባዕልና ዝኾነ ስርዓተ ስነጽሑፍ፣ ዓለማዊ ምትእስሳር ዝነበሮ ንግዲ፣ ምህንድስና፣ ምሕደራን ግብርን፣ ሰራዊት፣ ስነ/ኪነ ጥበብ፣ ስነፍልጠት፣ ስልተ ምህርቲን ኢንድስትርን ሃኒፅና ዓለማዊ ቦታና ረኺብና ነይርና ኢና። ኮይኑ ግና ምስ ውድቀት ስልጣነ ኣክሱም ስርዓተ መንግስትና’ ውን ሃደሽደሽ ኢሉ እስካብ ሕዚ ክንመልሶ ኣይከኣልናን።
- ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱማዊ ስልጣነ ንዝሓለፉ ኣስታት ሸሞንተ ሚኢቲ ዓመታት መሊስና ንምትሳእ ዝገበርናዮም ፈተናታት መስረታዊ ዓወት ክነመዝግብ ኣየኽኣሉናን። ከም ውፃኢቱ ድማ ኣብ ዘይዛሪ ናይ ዕንክሊል ጉዕዞ ኣቲና፣ ንብሄራዊ ውዳበናን ሓድነትናን ዝፃበኡ ኣተሓሳስባታት፣ ንህልውናና ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ፈተናታት፣ ንክብርታትናን መንነትናን ዝሽፍኑ ጠቐራት (ንኣብነት ኣብ ባዕልኻ ዘይምትእምማንን ኢሳይንሳውነትን) ግዳያት ኮይና። ካብ ሳይንስ፣ቴክኖሎጂን ምህዞን ርሒቕና፣ ዓለማዊ ቦታና ሰኢና፣ ሃይማኖታዊ እምነታትና ብባዕዲ ዕቦላት ተወሪሮም፣ ባዕልና ምዃን ኣብዩና ካልኦት ንኽንከውን ናፊቕና ወዘተርፈ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ገጢሙና ዝኒሀ ፈተና እውን ናይቲ ንዘመናት ክንሳገሮ ዘይከኣልና ዕንክሊል ጉዕዞና እቲ ዝለዓለን ምናልባት እውን እቲ ናይ መወዳእታ መግለፂ እዩ።
- ኣብ ታሪኽና ዝወላዕናዮም ወያነታት ሙሉእ ሓርነት ዋላ ኣየምፃኡልና እምበር ደጋዊ ጭቆና ብገድላዊ ሓይሊ ክንስዕር፣ ናይ ባዕልና ምሕደራዊ ስርዓት ገቢራዊ ሙከራታት ክንገብር፣ትግራዋይ ክብርታትና መሊኡ ከይጠፍእ ክንከላኸል፣ ብሄራዊ ሓድነትና ብፍላይ ኣብ ሓደጋ ግዘ ክንዕቅብ፣ህልውናና ክነቐፅል ወዘተርፈ ኣኻኢሎምና እዮም። እዞም ፀጋታት እዚኦም ድማ መሊስና ንምትሳእ ኣብ እንገብሮ ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ ከም መበገሲ ዓቕምታት ክንጥቀመሎም ኢና።
- ናይ ተጋሩ ናይ ዕንክሊል ሂወት ቀንዲ መበገስትን ተሓተቲን ባዕልና ኢና። እቲ ፀገም እውን ሕብረተሰባዊ እዮ። ካብ ዕንክሊል ናብ መንቅብ ኣልቦ (virtuous circle) ጉዕዞ እንሰጋገር እውን ባዕልና ኢና። ፀገማትናን መንቀሊታቶምን ብዙሓትን ባህሪ ሕልኽላኽ ዝተላበሱን እዮም። መፍትሒታቶም እውን ሕልኽላኽን ማዕባላይ ኣጠማምታን ዝሓትትን እዩ። ብሓፈሸኡ ምስ ትሑት ዓርሰ ንቕሓት፣ ኣብ ድሑር ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝተመስረተ ማሕበረሰባዊ ውቕሪን ባህልን (Agrarian social structure & culture) ፣ ምቡርቧር ብሄራዊ ምትእስሳራትን ውዳበን፣ ኣልቦነት ስርዓተ መንግስቲን ኣብ ምጥፍፋእ ዝተመስረተ ድሑር ፖለቲካዊ ባህልን፣ ምልሕላሕ ማሕበራዊ ምትእስሳራት (social fabric deterioration)፣ ሱር ዝሰደደ ኢሳይንሳውት፣ ድርቀት ቴክኖሎጂን ምህዞን፣ምንዓቕ መቦቆላዊ ዓቕምታትን ሓሳባትን፣ምግዋድ ኢምኽንያታውነትን ውሽጥኻ ዘይምርኣይን ወዘተርፈ እዮም። ከም ውፃኢቱ ድማ ሕዚ ኣብ ሕቶ ምህላውን ዘይምህላውን ወዲቕና ንርከብ።
- ሕዚ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ዒንክሊል ሂወት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክንወፅእ ንኽእል ዶ? ኣብ ምንታይ ኣተኩርና ምስ እንሰርሕ እዩ እዚ ክኸውን ዝኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ክንጋፈጥ ንግደድ ኣለና። ነቲ ፈላማይ ሕቶ መልሱ እወ እዩ። ዕንክሊል ክንሰብር ንኽእል ኢና ክንብል እንተለና ኣብ ላዕሊ ከምዝተገለፀ ብሄረ መንግስትነትና መሊስና ንምህናፅ ዘኽእሉና መሰረታዊ መበገሲ ዓቕምታት ኣብ ኢድና ምህላዎም እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኮይኑ ኣብዘን ዝስዕባ ጉዳያት ድማ ንፅረትን ምርድዳእን ክህልወና እዩ ዝብል ተሓሳቢ ብምግባር እዩ፥ ሀ) እዚ ፈተና ውፅኢት ሕብረተሰባዊ ውድቀት ምዃኑ ለ) መቐፀልታን መግለፅን ንዘመናት እናተንከባለለ ዝመፀ መልሲ ዘይተውሃቦ ውሽጣዊ ናይ ንቕሓታዊ ጉዳይ ምዃኑ ሐ) ቀንዲ መንቀሊኡ ምስ ምውራድ ዓርሰ ንቕሓት፣ ምሽርሻር መንነት፣ ሱር ዝሰደደ ድሑር ሕብረተሰባዊ ውቕርን ድሑር ፖለቲካን ኣልቦ ትካላውነትን ወዘተርፈ ምዃኑ ምቕባል መ) እዚ ፈተና ከም ዕድልን ነጥቢ መቐይሮ ክንጥቀመሉ ከምዘለና ካብ ልቢ ምእማን ይሓትት። ኣብ ምንታይ ነትኩር? ንዝብል ድማ ሕዚ ገጢሞምና ዘለው ፈተናታት ብዙሓት እዮም። ፅንተታዊ ኩናት፣ ኩለመዳያዊ ናይ ብርሰት ሓደጋ፣ ውድቀት ቁጠባን ሕሱም ድኽነትን፣ ስእነት ምዕሩይ ምሕደራን ትካላውነትን፣ ዘይህላወ ብሄረ መንግስትነትን ሉዓልውነትን ወዘተርፈ እዮም። ስለዚ ተጋሩ ሕዚ ኣብ ምንታይ ኣተኩርና እንተሰሪሓና ኢና ዝተሓላለኹ ፀገማትና ክንፈትሕ እንኽእል? ንዝብል ሕቶ ፣መልሱ ቀንዲ ጠመተና ኣብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ምንዳይ ከተኩር ኣለዎ ዝብል እዩ። እዚ ማለት ምስ ምምዕባልን ምርግጋፅ ህላወ ምዕሩይ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ኣጠማምታን መሪሕነትን፣ ጉዳይ ምስረታን ህንፀትን ብሄረ መንግስትነት ከም መዕሰሊ ዕላማ ገይርካ ምስ ምቕባልን ምቕራፅን ክተኣሳሰር ኣለዎ።
ምስረታን ህንፀትን ብሄረ መንግስቲ ትግራይ ከም ብሄራዊ ዕላማ ክበሃል እንተሎ እንታይ እዩ?
ሕቶ ምስረታን ህንፀትን ብሄረ መንግስቲ ክልተ ኣምራት (ብሄርን መንግስትነትን) ኣጣሚሩ ዝሓዘ ዓሙቕን ሰፊሕን ዛዕባ እዩ። ኣብ ኣተረጓጉማኦም ውን ኣስካብ ሕዚ ዝተበፅሐ ሓበራዊ ስምምዕነት የለን። ፅንሰ ሓሳብ ህንፀት ብሄር ብመንፅር ኣካዳሚን ፖሊሲ ቀረፅትን ዝተፈላለየ ኣጠቓቕማ እዩ ዘለዎ። ንኣብነት ብናይ ኣሜሪካ ፖሊሲ ኣጠማምታ ህንፀት ብሄር (Nation building) ምስ ምስረታ ወይ ድማ ምጥንኻር መንግስቲ (Government) ተሓዋዊሱ እዩ ዝርአ። ብፍላይ ድሕሪ ምውዳእ ዝሑል ኩናት ዓለም ኣሜሪካ ናይ ምዕራባውያን ስነሓሳብን ክብርታትን (Market liberalization & democratization) ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ዓለምና ሃገራት (ሶማልያ፣ ሃይቲ፣ ኢስት ቲሞር፣ ዒራቕ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ቦስንያ ወዘተርፈ) ንምስራፅ ዝገበረቶም ኢድ ምትእትታዋት Nation building ኣብ ትሕቲ ዝብል ፅንሰ ሓሳብ እዮም ዝግለፁ። ካብዚ ብምብጋስ ህንፀት ብሄረ መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ማለት እውን ምልዊካዊ ስርዓት ምፍራስ (Intervention)፣ ዳግም ህንፀት (Rebuilding)፣ ምህናፅ ዓርሰ ምሕደራ(Support) ከፋፊሎም ይርእዩዎ።
ብመንፅር ምሁራን ኣካዳሚያ ህንፀት ብሄር ብሰለስተ ዓይኒ ይርአ። ንሳቶም እውን እቲ ሓደ ኣጠማምታ Primordial ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ሓደ ብሄራዊ መንነት ዝፍጠር ህዝቢታት ኣብ ነዊሕ ታሪኻዊ ጉዕዛኦም ኣብዝነበሮም መስተጋብራዊ ከይዲ ብዘማዕብልዎ ስነልቦናዊ፣ታሪኻዊ፣ፖለቲካዊ፣ ባህላዊ፣ ቋንቋ፣ ስነ ምጣኔያዊ፣ ጥብባዊ ወዘተርፈ ውህደትን ምትእስሳርን ውፃኢት እዩ ኢሉ ይኣምን። እቲ ካልኣይ ናይ ኣጠማምታ መስመር ውናዊ ስናዕ (Constructivist) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ብሄራዊ መንነት ውፅኢት ብውነ ዝፍፀም ህንፀት እዩ ኢሉ ዝኣምን እዩ። እቲ ሳልሳይ ኣጠማምታ ህንፀተ-ብሄር ውፃኢት ክልቲኦም ማለት እውን ዘገምታዊ ምዕባለን(Primordial) ውናዊ ስናዕን (Social construction) እዩ።
ስለዝኾነ ምስረታን ህንፀትን ብሄረ-መንግስትነት ኣብ ክልተ ዓንድታት ይምስረት (Wimer, 2018). ንሳቶም እውን፥ 1) ህዝቢታት ብነዊሕ ዘመናት ንሰንሳቶም ብዝፈጥርዎ ኩለመዳያዊ መስተጋብራት ምኽንያት ሓደ ዕንቱር ብሄራዊ መንነት (national identification) ክሃንፁ ምስዝኽእሉ 2) ኣብ ሓበራዊ መፃኢ ዕድሎምን ብሄራዊ ባህጎምን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ (Common destiny) ምስዝፈጥሩን እዩ። ሓደ ህዝቢ እዘን ክልተ ረቓሒታት እንተማሊኡ ካብ ዓሌታዊ (ከባቢያዊ)፣ ሃይማኖታዊን ካልኦት ፍልፍላት መንነታትን ክመፅእ ዝኽእል ምክፍፋላት እንተይዓጀቦ ንብሄራዊ መንነቱን ዕላማኡን ጠጠው ናይ ምባል ዓቕሚ ይህልዎ። ብመሰረት ምርምር Andreas Wimmer(2018) ሕመረት ሓሳብ ህንፀት ብሄራውነት ምርግጋፅ ፖለቲካዊ ውህደትን ልዕሊ ኩሎም መንነታት ዝኾነ ሓደ ብሄራዊ መለልዩ መንነትን (Political integration and identification) ብዛዕባ ምህናፅን እዩ። ህንፀት ብሄር መግለፂ እቲ ኣብ ሞንጎ ዜጋታትን መንግስትን ዝህሉ ሓቛፋይ ፖለቲካዊ ምትእስሳርን ናይ ረብሓ ልውውጥን እዩ ይብል። ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ከም መሳርሕን ውፃኢትን ህንፀተ ብሄር ገይሩ የቐምጦ።
ኣንድሪያስ ዊመር ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘካየዶ መፅናዕቲ መሰረት ህንፀት ብሄረ መንግስቲ ክዕወት ዝኽእል 1) ቅቡልን ምእኹልን ስርዓተ መንግስቲ እንትህሉ ስለዝኾነ ድማ ህዝባዊ ግልጋሎት ክህብ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ኣብ ብቕዓት ዝተመስረተ መንግስታዊ መሓውር (Bureacracy) እንትህነፅ 2) ዜጋታት ስግር ዓሌታዊ፣ ከባቢያዊ፣ ሃይማኖታዊን ስነሓሳባውን ኣፈላላያት ዝኾነ ምሕዝነትን ምትእስሳራትን እንትፈጥሩ ከም ውፃኢቱ ከዓ ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ዝብላ ሲቪክ ማሕበራት እንትፍጠራ 3) ንኹሉ ዘረዳድእ ስርዓተ ቋንቋ እንትምዕብል እዩ። በዚ መሰረት ስዊዘርላንድ፣ ቦትስዋናን ቻይናን ከም መርኣያ ዕውት ህንፀት ብሄረመንግስትነት ዝተወሰዳ እንትኾና ብማሳ ንማሳ ድማ በልጅም፣ ሶማልያን ራሻን ህንፀት ብሄረመንግስቲ ዝፈሸለን ሃገራት ኮይነን ተጠቒሰን ኣለዋ። ከም ቀንዲ ምኽንያት ዕውትነትን ፍሽለትን ህንፀት ብሄረመንግስቲ ናይዘን ሃገራት ድማ ህላወን ፍሽለትን ወለንታዊ ማሕበራት (Volentary organization) ብቕዓት ኣዋህባ ህዝባዊ ግልጋሎት (Public goods delivery) ሓበራዊ መረዳድኢ ስርዓተ ቋንቋ (Communicative integration) ብቕደም ስዓብ ተገሊፁ ኣሎ።
እቲ መፅናዕቲ ከምዘረጋገፆ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ምምልላእን ስምረትን (Political integration) ከምኡ ከዓ ህላወ ብሄራዊ መንነት (National identification) እቶም ከልተ ንህንፀት ብሄረመንግስቲ ወሰንቲ ዓንድታት እዮም። እዚ ንኽገሃድ ድማ ኣሳታፋይን ሓቛፋይን ናይ ስልጣን ክፍፍል (inclusive power arrangement) ዘለዎ ስርዓት ብምፍጣር ኣብ ሞንጎ ዜጋታትን መንግስትን ምዕሩይ ፅምዶ ምህላው ንህንፀት ብሄረ-መንግስቲ ወሳኒ ቦታ ኣለዎ። ህንፀት ብሄረመንግስቲ ውፃኢት ናይ ነዊሕ ግዘ ፖለቲካዊ ምዕባለ ምዃኑ ምርዳእ እውን ወሳኒ ጉዳይ እዩ። ናይቲ ከይዲ ቀንዲ መለክዒ ድማ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዜጋታትን ክህሉ ዝግባእ ምዕሩይ ርክብ ኣዩ። እቲ ርክብ ኣብ ሰለስተ ነንባዕሎም ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዝምስረት እዩ። ንሳቶም ድማ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ (Resources they trade)፣ መዋቕራዊ (Institutions)፣ ስርዓተ ርክብ (Meaning and information exchange) እዮም። እዚ ማለት ዘይምዕሩይ ናይ ሃፍቲ ክፍፍልን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ፣ ማፃያይ ትካልን ባህልን ኢሉ እውን ናይ ሓበሬታ ፀልማትን ኣብ ዘለዎ ኩነታት ህንፀት ብሄረ መንግስቲ ምሕሳብ የዋህነት ይኸውን።
ኸይዲ ህንፀት ብሄረመንግስቲ ካብ ቃልሲ ወፃእ ኣይፍፀምን። ካብቶም ቃልሲ ዝሓቱ ቀንዲ ዕንቅፋታት ውሽጢ ድማ መንግስቲ ኣብ ዕለታዊ ሂወት ዜጋታት ጣልቃ ምእታው፣ ማእኸል ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምዃን ዝግበር ናይ ልሂቃን ንሕንሕ፣ ኩለማዳያዊ ድኽነት፣ ሽርሒ ከፋፊልካ ምግዛእን፣ መንግስታዊ ልምሰት፣ ሰብ ስራሕ ወሰናት (Man made boundaries) እዮም። ብኣንፃሩ ድማ ምትእትታው ዘመናዊ ቢሮክራሲ (Meritocracy)፣ ፍሰት ጽፉፍን ሓቀኛን ሓበሬታ ዘረጋግፅ ስርዓተ ርክብን ቴክኖሎጅን፣ ምርግጋጽ ሙሉእ መሰል ዜጋታት ፖለቲካዊ ስምረት ንምፍጣር ከም ቁልፊ መፍትሕታት ተቐሚጦም ኣለው። ትግራይ በዚ መንፅር ክትዕቀን እንተላ ኣበይ ነቐምጣ?
ከይዲ ህፀት ብሄረመንግስቲን ምስረታ ሃገርነትን
ቕድም ኢሉ ከምዝተገልፀ ሕቶ ህንፀት ብሄረ መንግስቲ ነዊሕ ኣጠማምታ ዝሓትት ናይ ወለዶታት ስራሕ ምዃኑ ምርዳእ ወሳኒ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ብጣዕሚ ብዙሓት ዓውድታትን ጉዳያትን ኢሉ እውን ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ምንቅስቓሳት ዝፈጥርዎ ማዕባላይ ሕልኽላኻዊ መስተጋብራትን (complex adaptive system) ባህሪ ዝተላበሰ ከይዲ እዩ። እዚ ዛዕባ ምስ ሕቶ ምስረታ ሃገር፣ ምዝርጋሕ ስርዓት ዲሞክራሲ፣ ምስረታን ህንፀትን ምእኹል መንግስቲ፣ ቁጠባዊ ልምዓትን ዕዳጋን፣ምስፋን ሰላምን ዘለዎ ምትእስሳራትን ኣፈላላያትን ምርዳእ ድማ ቁልፊ ጉዳይ እዩ። ኣብሞንጎ እዞም ጉዳያት ዘሎ ምትእስሳራት ንምርዳእ ዓሙቕ መፅናዕትታት ዝሓትት ብምዃኑ ኣብዛ ሓፃር ፅሕፍቲ ምቕማጥ ኣይምኩርን። ኮይኑ ግና ምይይጥ ንምቑስቛስ ዝኣክል መልዐሊ ዝኾኑ ነጥብታት ከምዝስኦብ ተቐሚጦም ኣለው።
ምስረታ ሃገርን ህንፀት ብሄረመንግስትን
ኣብ ሞንጎ እዞም ኣምራት ዘሎ ምትእስሳራት ቅድሚ ምግላፀይ ኣብ እንታይነቶም ዘለኒ ኣረዳድኣ ምቕማጥ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እንታይነት ብሄር፣ መንግስቲ፣ ምምሕዳር (Government)፣ ሃገርን ብሄረመንግስትን ዘለው ፍልጠታት ከምዝሕብርዎ ኣብ ትርጉሞም ሓደን ውዱእን ኣጠማምታ ከምዘየለ እዩ። ስለዝኾነ ንርድኢተይ መስረት ጌረ ክጥቀመሎም ዝመረፅኩዎም ቀንዲ ሓሳባት ኣብዛ ፅሕፍቲ መውዳእታ ተዘርዚሮም ካብ ዘለው መወከሲታት ዝተቐድሑ ምዃኖም ግንዛበ ይወሰደለይ። በዚ መሰረት ብሄር እንትበሃል ብቐንዱ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ዝተሃነፀ ሓበራዊ መለልዩ ብሄራዊ መንነት ዘማዕበለን ኣብ መፃኢ ዕድሉ መዓልቦኡን ተመሳሳሊ ኣጠማምታ ዝፈጠረን ህዝቢ ንምባል እዩ። ብዓይኒ Max Weber (1946) መንግስቲ (State) ማለት ኣብ ሓደ ፍሉጥ ግዝኣታዊ ክልል ውሽጢ ሕጋዊ ዝርከብ ናይ ጎነፅ ቅልፅም ብሒቱ ናይ ምጥቃም መሰል ዘለዎ ብሕታዊ ላዕለዋይ ማሕበረተሰባዊ ኣሃድ (ውዳበ) እዩ።” State is a human community that (successfully) claims the monopoly of the legitimate use of physical force (Weber (1946)”. ብኻልእ ኣበሃህላ መንግስቲ ናይ ሓንቲ ሃገር ሉዓላዊ ትካላዊ ተኽእሎ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሉዓላዊ ግዘኣት ዘለዎ፣ ምእኹል ናይ ጎነፅ ሓይሊ ዝወነነ፣ ምእኹል ቢሮክራሲ ዝሃነፀ፣ ናይ ግብሪ ስርዓትን ዓለምለኻዊ ርክብን ዝዘርገሐን እቲ ዝለዓለ ብሄራዊ ኣሃድ እዩ። ብሓፂሩ ብዌበር ኣመለኻኽታ ቀንዲ ቁምነገር መንግስቲ ናይ ምፍፃም ሓይሊ(enforcement power) እዩ። ምምሕዳር (Government) ብቐንዱ ፖሊሲን ቢሮክራስን ኮይኑ ሃገር ድማ ናይ ባዕላ ባንዴራ፣ ገንዘብ፣ ኢንተርኔት ዶመይን፣ ምክልኻል ሓይሊ፣ ፓስፖርቲን ኢምባሲን ዘለዋ ግዝኣታዊ ሓድነታ ዘረጋገፀት ዓዲ ብዝብል ክርአ ይኽእል እዩ። ብሄረ-መንግስትነት ድማ ኣብ ህላወን ብቕዓትን ብሄር፣ ሃገርን ቢሮክራሲን ተመስሪቱ ብሓቛፋይ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝፍጠር ሉዓላዊን ምዕቡልን ማሕበረሰባዊ ውዳበ ተባሂሉ ክግለፅ ይኽእል እዩ።
በዚ መሰረት እንትንርኢ ምስረታ ሃገር ፈላሚ ምዕራፍ ህንፀት ብሄረመንግስቲ እዩ። ምውናን ሃገር ግድነታዊ ቅድሚ ኩነት ህላወን ህንፀትን ብሄረ መንግስቲ እዩ። ሃገር ዘይብሉ ብሄረመንግስቲ ክህሉ ኣይኽእልን።ኮይኑ ግና ምውናን ሃገር ንገዛርእሱ ንብሄረመንግስቲ ብቑዕ ውሕስና ኣይህብን። ኣብ ዓለምና ሃገር ዝወነኑ ግና ድማ ብሄረ መንግስቲ ዘይመስረቱ ህዝብታት ምርኣይ ልሙድ እዩ። ስለዚ ሃገርነት ግድነታዊ (necessary) ግና ድማ ዘይእኩል (Insufficient) ፖለቲካዊ ማሕበረሰባዊ ውዳበ እዩ። ብኻሊእ ገፅ ህላወ ብቑዕ ፖሊሲን ቢሮክራሲን ንህንፀት ብሄረመንግስቲ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ምዕሩይ ህዝባዊ ግልጋሎት (ፍትሒ፣ ትምህርቲ፣ ፀጥታን ድሕንነትን፣ ዕዳጋ፣ ገንዘብ፣ ንግዲ፣ ትሕተ ቅርፂ ወዘተርፈ) ከቕርብ ዘይኽእል መንግስቲ ብህዝቡ ቅቡልነት ክህልዎን መስርሕ ፖለቲካዊ ውሁድነት (Political integration process) ክመርሕን ስለዝኾነ ድማ ብሄራዊ ህንፀት ከካይድ ኣይኽእልን። ስለዚ ህላወ ብቑዕ ቢሮክራሲን ፖሊሲን ንህንፅት ብሄረመንግስቲ ቁልፊ ጉዳይ ይኸውን።
ዲሞክራሲን ህንፀት ብሄረመንግስቲን
ካብ ታሪኽ ኣንፃር ክርአ እንከሎ ዲሞክራሲ ንህንፀት ብሄረ-መንግስቲ ብሕታዊ መንገዲ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣሜሪካ ብዲሞክራሲ ኣይተፈጠረትን። ብሄረመንግስቲ ካብ እትሃንፅ ግና ዘመናት ኣቑፂራ እያ። እስካብ 70ታት ፀለምቲ ዘግለለ ስርዓት እትኽተል ዝነበረት ሃገር እያ። ኩለን ብሄረመንግስቲ ዝሃነፃ ሃገራት እውን ዲሞክራሲያውያን ኣይኮናን። ንኣብነት ቻይና ብሄረመንግስትነት ካብ እትሃንፅ ነዊሕ እዋን ኣቑፂራ እያ እስካብ ሕዚ ግና ስርዓት ዲሞክራሲ ኣይሃነፀትን። ስለዚ ኣብ ሞንጎ ዲሚክራሲን ህንፀት ብሄረመንግስትነትን ዘሎ ምትእስሳር ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ ትሕዝቶ የብሉን። ኮይኑ ግና ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ዝካየድ ህንፀት ብሄረመንግስቲ ኣብ ህላወ ሙሉእ ተሳትፎ ህዝቢ፣ ኣብ ሞንጎ ዜጋታትን መንግስትን ምዕሩይ ርክብ፣ ምዕሩይ ስልጣን ክፍፍል፣ ነፃ ሞያ ማሕበራትን ሚዲያን፣ ኣፈላላያት ዘተኣናግድ ኢሉ ድማ ኣብ ናይ ሓበሬታ ግልፅነትን ተሓታትነትን ስለዝምስረት ሓቀይና ዲሞክራሲ ዝጠልብ እዩ።
ሰላምን ህንፀት ብሄረመንግስትን
ከይዲ ምስረታ ሃገር ብባህሪኡ ምስ ጎነፅ ዝተኣሳሰረ እዩ። እቲ ጎንፅ ግና ብፍላይ ኣብ መፈለምታ ብርኪ ምስረታ ዝኽሰት እዩ። እቲ ግርጭት ብቐንዱ ምስናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ዝህሉ ናይ ጥቕሚ፣ ግዝኣታዊ ወሰን ወይ ከዓ ናይ ኣጠማምታ (Perception) ኣፈላልይን ምትሓት ብቕዓት ኣተኣላልያ ጎነፅን ዝወልዶ እዩ። ምስረታ ሃገር ንህንጸት ብሄረመንግስቲ መበገሲ እምበር ዜጋታት ከም ኣዲኦም ዝርእዩዋ ሃገርን ስርዓተመንግስቲን ንኽህሉ ውሕስና ስለዘይህብ (ንኣብነት ቦትስዋና እንተይሓወስና መብዛሕተአን ናይ ኣፍሪካ ሃገራት) ዘላቒ ውሽጣዊ ሰላም እውን ኣየስፍንን። ህንፀት ብሄረ መንግስቲ ግና መሰረት ውሽጣዊ ሰላምን ሓድነትን እዩ። ምኽንያቱ ውሽጣዊ ሰላም ናይታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ዜጋታትን መንግስቲን ኣብዝህሉ ርክብ ባህሪ እዩ ዝድረኽ። ባህሪ ናይቲ ርክብ ድማ ብመሰረቱ ብህንፀት ብሄረ መንግስቲ እዩ ዝቕረፅ። ልዕል ኢሉ ከምዝተገለፀ ጉዳይ ህንፀት ብሄረ-መንግስቲ ኣብ ህላወ ፍትሓውን ብቑዕን ህዝባዊ ግልጋሎት ክህብ ዝኽእል ቢሮክራሲ፣ ዝኾነ ሓፁር ዝሳገር ዓርሰ-ተብግሶኣዊ ማሕበራት፣ ሓበራዊ መረዳድኢ ቋንቋን ምዕሩይ ርክብን ስለዝምስረት ንውሽጣዊ ጎነፅ ዘይዕድም ኩነታት ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዝኾነ ሰላም ንህንፀት ብሄረ መንግስቲ ግድን እንትኾን ህንፀት ብሄረመንግስቲ ድማ ንህላወ ዘለቒ ሰላም ግድነታውን ጠቓምን (Necessary and sufficient) ኩነታት ይፈጥር።
ልምዓትን ህንፀት ብሄረመንግስቲን
ልምዓት ክንብል እንተለና ኩለመዳያዊ እዩ። ቁጠባዊ ዕብየት ሓደ ኣካል ናይቲ ልምዓት እምበር ብሕታዊ መግለፂ ኣይኮነን። ቁጠባዊ ዕብየት ሃልዩወን ብሄረመንግስቲ ዘይሃነፃ ሃገራት ብዙሓት እየን። ኩለመዳያዊ ልምዓት ከም መሰረታዊ መስርሕን ውፅኢትን ብሄራዊ ህንፀት (Nation building) ይርአ። ብቐረጽቲ ፖሊሲ ኣጠማምታ ጉዳይ ህንፀት ትሕተ-ቅርፂ ንህንፀት ብሄረመንግስቲ ግድነታዊ ተግባር እዩ። ብዓይኒ ኣካዳሚያ ድማ ብፍላይ ህንፀት ዓቕሚ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንህንፀት ብሄረምንግስቲ ዘለዎ እወንታዊ ተፅዕኖ ቁልፊ እዩ። ልምዓት ንህንፀት ብሄረመንግስቲ መስርሕ ክኸውን እንተኾይኑ ግና ኩለመዳያውን ፍትሓውን ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ዛዕባ ህንፀት ብሄረመንግስቲ ንህንፀት ዓቕሚ ኩለመዳያዊ ልምዓት ወሳኒ እንትኾን ምርግጋፅ ልምዓት ድማ ንህንፀት ብሄረመንግስቲ ግድን እዩ ምባል ይከኣል።
ምስረታን ህንፀትን ሃገረመንግስትነት ትግራይ
ጉዳይ ነፃ ሃገረ ትግራይ ናይ ዝበዝሕ ትግረዋይ ዛዕባ ካብዝኸውን ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ። ብፍላይ ኩናት ፅንተት ካብ ዝጅምር ንድሓር ድማ ድሌት ነፃነት ዳርጋ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ክብሃል ብዝከኣል ብርኪ ሓበራዊ ርድኢት (Frogranted issue) ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ኣብቲ ናይ 8 ኣዋርሕ ኩናት እቶም ንስርዓት ፌደራሊዝም ዝጣበቑን ጉዳይ ነፃነት ከም ፀቢብነት ዝፍርጁን ዝነበሩ ልሂቃን እንተይተረፉ ምግሃድ ሃገረ ትግራይ ሕርየኦም ከምዝኾነ በቢውልቆም ምግላፅ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ድሕሪ ሰነ 2013 መንእሰይ ትግረዋይ ናብ ምክልኻል ሰራዊት ትግራይ ከምውሕጅ ብምፅንባር ዘርኣዮ ሕራነን ኣብ ዲያስፖራ ተጋሩ ዝተርኣየ ሓድነታዊ ፍናንን ከዓ መርኣያ ባህጊ ሃገርነቱ ዝዓዘዘ ነይሩ ምባል ይከኣል እዩ። ኮይኑ ግና ድሕሪ 2014 ዓም ብሓደ ገፅ ንባህጊ ሃገርነት ተጋሩ ዝፃብኡ ምዕባለታት (Patterns) እናዓበዩ ከምዝመፁ እሙን እዩ። ጉዳይ ነፃነት ካብ ጭርሖ ወፂኡ ኣብ ዓሙቕ ርዳኢት ንኽምስረት ዝሕግዙ ምንቅስቓሳት ክጥጥዑ ክግበር ይግባእ።
ብሰንኪ ስእነት ቅኑዕን ሓቛፋይን መሪሕነት ገጢሙና ዝኒሀ መድረኻዊ ሓደጋ ናብ ዕድል ቀይሩ ንሓንሻብን ንመወዳእታን ካብ ዕንክሊል ዝወፀሉ ኩነታት ምፍጣርስ ይትረፍ ናይ ፅንተት ሓይልታት ዝፈሓሱዎ ስትራቴጂ እኳ ክነፍሽል ብዘይምኽኣልና ቀልቢ ህዝብና ኣብ ጉዳይ ምህላውን ዘይምህላውን ንነዊሕ እዋን ክፅመድ ብምኸኣሉ ተስፋ ናይ ምቑራፅ ምልክታት ከርኢን ኣብቲ ልሂቅ ድማ ናይ ምክፍፋልን ሓደጋ ገጢሙና ኣሎ።
ስለዝኾነ ድማ ጉዳይ ምስረታን ህንፀትን ብሄረ-መንግስትነት ትግራይ ከም ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ ከይዝተየሉን ካብ ስልጣነና ዝብገስ ብሄራዊ ተኽእሎታትናን መፃኢና ዝቕይሱ ባህግታትናን (Inspiration) ነፂሩ ከይወፅእን ኮይኑ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ቅኑዕን ሓቛፋይን ናይ ትግራይ ብሄራዊ ሓይሊ ንኹሎም ተጋሩ ኣኪቡ፣ ብዙሓት ፈተውቲ ፈጢሩ፣ መድረኻዊ ዕድላት መዝሚዙ ዕንክሊል በጢስና ክንሰግር ዝህበና ተኽእሎ እንስእነሉ ዕድል ክፍጠር ይኽእል እዩ። እዚ ዕድል እዚ ካብ ኢድና እንተምሊጡ ድማ ብሄራዊ ክብርን መንነትን ተጋሩ መዋፀኦ ናብ ዘይብሉ ዕንክሊል ዝኣትወሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ። ስለዚ ናይ ሐዝን ፅባሕን ኩሎም ምንቅስቓሳትና ሙሉእ ብሄራዊ ሓርነትና ናብ እነረጋግፀሉ ኣንፈት ክመርሐና ዝኽእል ዛዕባ ጉዳይ ምሰረታን ህንፀትን ብሄረ-መንግስትነት(Nation state) ትግራይ ክኸውን ኣለዎ። ሕቶ ነፃነትና ካብ ጭርሖ ተሳጊሩ ሓይሊ ክፈጥርን መቕኒ ክህልዎን እንተኾይኑ ኩሉ ዛዕባና ምስረታን ህንፀትን ብሄረመንግስትነት ትግራይ ክኸውን ይግባእ። ንሱ ድማ ኣብ ፍልጠትን ልዝብን ተመስሪቱ ዝህነፅ ሓይሊ ክኸውን ኣለዎ።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ ብሄረ-መንግስትነት (State) ትግራይ ክንብል እንተለና እንታይ ማለትና እዩ? እንታ ከ ኣይኮነን? እንታይ ዓይነት ብሄረ መንግስቲ ኢና ንጠልብ ዘለና ንምንታይ? ኣብ ሞንጎ ምስረታን ህንፀትን ብሄረ መንግስትነትን (Nation state) ብሄራዊ ህንጸት (Nation building) ትግራይን ዘሎ ኣፈላልይን ሓድነትን እንታይ እዩ? ኣብ ሞንጎ ብሄራዊ መንነት (ትግራዋይነትን) ካላኦት መንነታትን (ሃይማኖታዊ፣ ብሄረሰባውንን ከባቢያውን መለለይታት) ዘሎ ምትእስሳርን ሚዛንን እንታይ ይኸውን? ሕዚ ዘለናሉ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ኩነታት ብሄረመንግስትነት ትግራይ ንምምስራት ዝፈጥረልና ብድሆታትን ተኽእሎታት እንታይ እዮም? እቶም ብድሆታት ክንሰግር ዕድላት ክንምዝምዝ ዘኽእሉና ሓፈሻዊ ዕማማትን ቅደም ስዓብን እንታይ ይኹኑ? ወዘተርፈ ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ዘለኒ ሓሳብ ኣብ ካልኣይ ክፋል ፅሑፈይ ከቕርብ እየ። ሰናይ ንባብ።
መወከሲታት
Smith A. D. (2014) Nationalism: Theory, Ideology, and History 2nd Edition. Wiley; Polity Press.
Wimmer A. (2018) Nation Building Why Some Countries Come Together While Others Fall Apart. Princeton University Press,
Hazony Y. (2018) the virtue of nationalism.Basic Books.
Yael T. (2022) Liberal nationalism. Princeton UP
Fritz V. and Rocha A. (2007) Understanding State-Building from a Political Economy Perspective. Retrived from http://cdn-odi-production.s3-website-eu-west-1.amazonaws.com/media/documents/1979.pdf