
ውራይና፦ ብዛዕባ ኩነታት ትምህርቲ ኣብ ዓድና፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኢና ክነዋግዕ እሞ፤ ቅድሚ ናብ ዝርዝር ሕቶታተይ ምእታወይ፡ ትምህርቲ እንታይ እዩ? ፅሬት ትምህርቲ ክንብል ከለና ኸ? ዝብል ሓፈሻዊ ነገር እንተገለፅካ ብኡ ንምጅማር?
ኣማረ ኣስገዶም (ዶ/ር)፦ እቲ ሐዚ ኣብ ዓድና ዘሎ ናይ ትምህርቲ ኩነታት ብሓደ ገፁ ከትሪኦ ከለኻ ብዙሕ
መንገዲ ተኸይዱ እዩ። ኣብ 20፣ 30 ዓመታት በፂሕናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ከይዲ ብሓፈሻ ክሪኦ ከለኹ ነዊሕ መንገዲ ተኳዒዝና ኢና። ከመይ እንተበልካ፡ እዚ ዓዲ ብመሰረቱ መስፍናዊ (feudal)ዝኾነ ፣ ብተፈላለየ ድሑር እምነት፣ ብተፈላለየ ዓቃቢ ኣርኣእያታት ዝነበርዎ ሕብረተሰብ እዩ ነይሩ። ብሳይነስ ዝኣምን፣ ብመረዳእታን መረጋገፅን ዝኣምን ኣይነበረን፤ ከምዙይ ዝበለ ሕብረተሰብ ምፍጣር ድማ ቀሊል ኣይኮነን ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ደሓር ዘንብብን ዝፅሕፍን ሕበረተሰብ (ካብኡ ዝሓለፈ ኣይኮነን) ንምፍጣር መጠናዊ ዝኾነ ዘበናዊነት ዘለዎም ነገራት ኣብ ምፍጣር ነዊሕ መንገዲ ተኸይዱ እዩ እየ ዝብል ዘለኹ። እዙይ ንኽብል ዝደፋፈአኒ ዘሎ ምክንያት “ንጠፍእ ኢና ዘለና” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ገደል ንኣቱ ኢና ዝብል ኣሎ። ገደል ኣይንኣቱን ዘለና። እንታይ ድኣ ኢና ንከውን ዘለና፡ ሓደ ብርኪ በፂሕና ኣብቲ ቀፃሊ ናብ ዝፅበየና ብርኪ ክንጅምር ጠለባት ኢና ንርኢ ዘለና፤ ፓብሊክ ዲማንድስ። ትምህርቲ ፅሬት ወዲቕና ኢና ገለ ዝብሃል እውን ትኽክል እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ህዝቢ እዩ እቲ ዋና ዳኛ። ሕዚ ጠለባቱ እዩ ዝገልፅ ዘሎ ህዝቢ። ዝሓሸ ትምህርቲ ይጠልብ ኣሎ። ብኣንፃር ፅሬቱ ክትርእዮ ከለካ ሕዚ ኣብ ዘሎ ትምህርቲ ብዙሕ ነገር ምባል ይከኣል እዩ። እንተወሓደ ግን ብድልየት ተምሃሮን መማህራንን እንተድኣ ርኢኻዮ ትምህርቲ ፀሊኦምዎ እዮም ዝርከቡ። ከም ግዴታ እምበር ትምህርቲ ሃረር ኢልዎም ኣይኮነን ዝምሃሩ ዘለዉ።
እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ…. ንምንታይ እዩ ሰብ ዝምሃር ዝብል ሕቶ ምልዓል የድሊ ፈለማ። በዚ ሎሚ ሰብ ዝምሃር ዓብዪ ሰብ ክኸውን እዩ። እምበር ከም ውሽጣዊ ፍቕሩ ኣይኮነን። ፀገሙ ክፈትሕ ብዋናነት ድማ ስራሕ ክቑፀር እዩ ትምህርቲ ዝምሃር ዘሎ። ተምሂሩ ምሰ ወፀ ድማ እቲ መንግስቲ/ሐብረተሰብ ወይ እቲ ቆፃሪ ዝሓቶ እንታይ ትምህርቲ ደረጃ ኣለካ ዝብል እዩ። ባችለር ድዩ፣ ማስተር ድዩ፣ ዶክትሬት ድዩ ዝብል እዩ ዝሓቶ ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይ ኣይኮነን ዝሓቶ። ስለዚ እቲ ዕላማ ትምህርቲ ምውዳእ እዩ ዝኸውን ዘሎ። እቲ ተምሃራይ እውን ሰርቲፊኬት ክሕዝ እዩ እምበር ብዛዕባ እታ ዝሓዛ ሰርቲፊኬት እትውክሎ ፍልጠት ኣይኮነን ዝሓስብ። ስለዚ እቲሕብረተሰብ ወይ ስራሕ ቆፃሪ ዝሓትት ዘሎ እቲ ሰርቲፊኬት እዩ ዝሓትት ብኡ ድማ እቲ ተምሃራይ እውን ንሳ እዩ ዝደሊ። ነዚ እውን እቲ መምህር ፈተና ክሓልፍሉ እዩ ዝደሊ ተምሃርኡ። ዋላ እውን ገልቢጦም። ፈተና ክሓልፍሉ እዩ ዝደሊ። ፈተና ምሕላፍ እዩ እቲ ዋና ነገር ዝኸውን ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ዘጋጥም እዩ። ካብ ሓደ ብርኪ ናብ ካልእ ብርኪ ምዕባለ ሕብረተሰብ ክትሰጋገር ከለኻ ዘጋጥም እዩ። እዚ ሕብረተሰባት ከመይ ገይሮም ይቆፃፀርዎ፤ ሓደ ነተን ሰርቲፊኬት ዝህባ ትካላት ምቁፅፃር እዩ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጰያ ዝፀንሐ ናይ ሜዲካል ትምህርቲ ተመኩሮ እንተርኢና እቲ ሓደ ናይ ሜዲካል ሳይሰንስ ፈተና ምሓላፍ እዩ። ድግሪ ሒዙ ዝቑፀር ሰብ የለን ኣብ ሜዲካል። እቲኣ ክሓልፍ ኣለዎ። ኣብ ሕጊ እውን ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ኣሜሪካ ከምዚ ልሙድ እዩ። ኣብ ዓድና እውን እናተጀመረ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ፀገም እናጎልሀ ይመፅእ ስለዘሎ። እቲ ፀገም ናይ ባዕሉ መፍትሒ ሒዙ ይመፅእ ኣሎ። ዲግርን ገለን ስለዝሓዝካ ስኽ ኢልካ ምቑፃር ኣይክሀሉን።
እዚ ከይዲ እዚ ናብ ምንታይ ይወስደና ይመስለካ? እቲ ሰብ ሰርቲፊኬት እንታይ ክገብረለይ ናብ ምባል እዩ ዝሰግር። ክእለት፣ ፍልጠት እዩ እቲ ቀንዲ እምበር ሰርቲፊኬት እንታይ ገባሪ ናብ ዝብል ይሰጋገር እሞ ብዛዕባ እቲ ጥቕሚ ዘለዎ ነገር ምግዳስ ይጅምር። ተምሃሮ ናይ ግድን ንፍልጠት ኢሎም ክምሃሩ ይጅምሩ። ስለዚ ናይ ባዕልትና ናይ ስርዓት ፀገም እዩ ማለት እዩ። እቲ ስርዓትና ንሰርቲፊኬት ክጓየዩ ዘተባብዕ እምበር ንክእለትን ፍልጠትን ክጓየዩ ዝደፍእ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ዝሓሸ ሰባት ብፍልጠቶምን ክእለቶምን ዝልክዕ ስርዓት ኣብ ከይዲ ባዕሉ ክመፅእ ይኽእል እዩ። ብኢድ ኣእታውነት እውን ክመፅእ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ኾይኑ እዚ እከለ ዘይሃበኒ እከለ ዘይገበረለይ መንግስቲ ዘይገበረለይ ዝበሃል ነገር ተሪፉስ እቲ ዝተብሃለ ክሓትት ዝኽእል ሕብረተሰብ ተምሃራይ ክህሉ ኣለዎ። ፅሬት ትምህርቲ እኮ እቲ ተምሃራይ ሆ ኢሉ ወፂኡ ክመሓየሽ እንተዝደፍእ ክምሓየሽ ዝኽእል እዩ ነይሩ። ሓደ ስርዓት ደው ክብል ናይ ህልውና ሜላ ክህልዎ ኣለዎ። እተን ኣብያተ ትምህርቲ ፅሬት ትምህርቲ ዘይብሉ ሒዘን ክቕፅላ ናይ ባዕለን ህልውና ሜላ ሒዘን እየን ዝኸዳ ዘለዋ። እዚ ክቕየር ኣለዎ።
ካልእ ታሪኽ ትምህርቲ ዓለም ክንርኢ ከለና መብዛሕትኡ ጊዜ ክርስትያኒቲ እንተወሲድና እቲ ኣውራ ፍልፍል ትምህርቲ እዩ ኣብ ታሪክ። ኣብ ክርስትና ፈለማ እቲ መፅሓፍ ቅዱስ ብደንቢ ትመልኮ እሞ ንሱ ኣብ ስነ ሓሳብን ዓይነ ሕልናን እቲ ሰብ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ ይሓልፍ። ኣብ ኣውሮፓ ትምህርቲ ክጅመር እንተሎ እቲ ሕብረተሰብ ካብ መፅሓፍ ቅዱስ ናብ ሳይንስ ተሰጋጊሩ። ምስ መፍረያይነት እውን ምትሕሓዝ ነይሩዎ እቲ ትምህርቲ ስርዓቶም። ዝኾኑ ኮይኑ ግን ትምህርቲ ሳይንሰዊ ንክትኾን ተማሂርካስ ፈላጥ ሓሳቢ ንክትኸውን መንገዲ እዩ ኮይኑ ሓሊፉ። ኣውሮፓውያን እቲ ዝነበረ ድሕረ ባይታ ሊቃውንቲ ሳይንስ ክፍጠሩ ብዝኽእለሉ መንገዲ እዮም ተጠቒሞሙሉ። ዳሕራይ ግን እዚ ነገር እዚ ለዊጦምዎ እዮም። ትምህርቲ ሳይንሳዊ ሊሂቅ ንምፍጣር፣ ሓሳቢ ንምፍጣር ወዘተ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ከይዲ ንማሕበረሰባዊ ለውጢ ክረብሕ ናብ ዝኽእል ቅርፂ እዮም ለዊጦምዎ። ትምህርቲ ምስ መፍረያይነትን ካልኦትን ተኣሳሲሩ ክርአ እሞ ኣብ ህይወት እቲ ማሕበረሰብ ናይ ቀጥታ ፅዕንቶ ክፈጥር ብዝኽእል መንገዲ ክውሰድ እዮም ገይሮምዎ። ምስ ህይወት ክተኣሳሰር ክኢሉ። ምኽንያቱ ፍልጠት ንህይወት ኣስተዋፅኦ ክገብር እንተዘይክኢሉ እንታይ ዋጋ ኣለዎ። በዚ ምክንያት ትምህርቲ ካብ ኣካዳሚክ ናብ ሞያ/ክእለት ክቕየር ገይሮምዎ። ሞያ ማለተይ ቲቪቲ ማለት ኣይኮነን።
ንኣብነት ኣነ ክምሃር ከለኹ (ኣብ ቀዳማይ ብርኪ) ሳይንስን ህይወትን ዝብል ነይሩ፣ ማትማቲክስ ነይሩ፣ ክልቲኦም ቋንቋታት ነይሮም። ካብኡ ግን ሕርሻ ድማ ነይሩ። ስነ ጥበብ ነይሩ። ውድ ወርክ ነይሩ። ስለዚ ኣካዳሚ ጥራይ ኣይነበረን ማለት እዩ። ዳሓር ክትምሃር እንተለካ ሓደ ኣይስልችወካን። ካልኣይ እናሰራሕኻ ንዓኣ ምስራሕ ጥራይ ዘይኮነ ትሙኩራ ወድያው ኣይኾነልካን። ንምንታይ ዘይሰርሐት ኢልካ ትሓስብ። ደጊምከ ትፍትን። ትወድቕ። ትልዓል። ወዘተ። እዚ ናይ ምድላይን/ምፍታሽን ከምኡ እውን ምርካብን ጉዳይ በሊሕ ክትኸውን እዩ ዝገብር። ሕዚ ዘሎ ግን ኣዳምፀኒ እዩ ስኽ ኢልካ። እቶም ተምሃሮ ሰልችይዎም እዩ ምድማፅ። ሓደ ትምህርቲ ኣሰልቻዊ ዝኾነሉ ምኽንያት እዚ እዩ።
እቲ ካልእ መሰረታዊ ነገር እቶም ቆልዑ ናብ ትምህርቲ ክመፁ ከለዉ ብፍላይ ድማ እቶም ናይ ገጠር ካብ ከባቢኦምን ስድርኦምን ዝረኸብዎ ክእለታት ኣለዉዎ። እዚ ክእለት እዚ ተሓፂቡ ክተርፍ እዩ ዝገብር እዚ ናይ ሕዚ ስርዓት ትምህርቲ። ሓፃቢ ክእለት እዩ። ስለዚ ክኸውን ዝግብኦ እቶም ከባበያዊ ክእለታት ኣምፂኡ ንዓቶም እንተኣማዕቢልዎም ሓጋዚ ይኸውን። ተምሃሮ እውን ውሽጣዊ ድልየታቶም ስለዝምሃሩ ሕጉሳት ይኾኑ፤ ኣፍረይቲ እውን ይኾኑ። ስለዚ ስርዓትና እዩ ክስተኻኸል ከለኻ። ሕዚ ግና ድሕሪ 10ይን ገለን እዮም ናብ ቲቪቲ ዝኸዱ። ሕዚ ታሓፂቦም ስለዝኣትዉ ድልየት ኣይብሎምን። ድልየት ንህይወትካ ኣየድልን ማለት እዩ ኢሎም ኣሚኖም ስለዝድይቡ በቲ ናይ ታሕተዋይ ከሪከለም ዳሕራይ ከምፅእዎ ኣይክእሉን። ስለዚ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ጥራይ ብምስራሕ ብዙሕ ለውጢ ክመፅእ ይክእል እዩ።
ምስ ፅሬት ትምህርቲ ተኣሳሲሩ ካብ ዝልዓል ነገር እቲ ስርዓት ትምህርቲ ኣይ ናይ ደገ ባህሪ ሒዙ ማለት ዘይወዲዓዲ ኮይኒ ስለዝቕረፅ ንሱ ከም ሓደ ፍልፍል ፀገም ይኸውን ኣሎ ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ እሞ ኣብዚ እንታይ ትብል?
ትኽክል እዩ። ዓዳኣዊ ክእለታት ኣለዉ። ሰብ እንትፍጠር ፀገምምስ ናይ ምፍታሕ ክእለቱ ሓቢሩ እዩ ዝፍጠር። ተፈጥሮ ባዕሉ ሰብ ርእሱ ተጠቒሙ ንክነብር እዩ ፈቒዱ ፈጢርዎ። ንኣብነት ቆልዓ እኳ ግበር ከይበልካዮ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ናይ ምርኣይ፣ ናይ ምፍታሽ ክእለት ኣለዎ። ሪሰርች ማለት እዩ እዚ። ዳሕራይ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ከምዚ ዝበለ ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ክእለትን ፍልጠትን እንታይ ይገብርዎ? የማዕብልዎ ዶ የጥፍእዎ እንተኢልካ የጥፍእዎ እዩ እቲ ናተይ መካትዒ ነጥቢ። እቲ ትምህርቲ ናይ ርሑቕ እዩ።
ኣብቲ ትምህርቲ ዘለዉ ሓሳባት ናይ ርሑቕ ዓዲ እዮም። ብምኳኑ ናይቲ ርሑቕ ዓዲ ነፀብራቓት እዮም። ንዓና ኣይመስሉን። ንዓና ኣይጨንዉን። ስለዚ ስኽ ኢልካ ትሽምድዶ ኣብ ፈተና እንተመፂኡ ትምልሶ እምበሪ ናብ ረብሓ ኣይተውዕሎን። ዳሕራይ እቲ ክኸውን ዝግብኦ እንታይ እዩ ነይሩ፤ ናይ ባዕልኻ ሃፍቲ ፀጋ ኣምፂእካ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ ምግባር። ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ/ከሪክለም ክካተት ምግባር። ሕዚ ንሱ ኣይተገበረን። ካብ ዝተፈላለዩ መፅሓፍቲ ዝመፁ ናይ ርሑቕ ዓድን ማሕበረሰብን ሓሳባት (ኣይድያስ) እዮም ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ኣትዮም ዘለዉ። ነቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ መበቆላዊ ክእለትን ፍልጠትን ዘማዕብል ኣይኮነን እቲ ዘሎ ስርዓት ትምህርቲ። ስለዚ እቲ ባህሊ ናብ ከሪክለም ኣይመፀን። ኣብ መቐለ ዘቕረብክዎ ሓደ ፅሑፍ ነይሩ፤ ምስ ስግግር ባህልን ቴክኖሎጅን ዝተኣሳሰረ ሓደ ፅሑፍ፤ ኣብዙ ከምዝበልክዎ እቲ ስግግር ዝብሃል እቲ ዝሳገር ኣበይ እዩ ክወድቕ? ምስቲ ዝፀንሐ ኸ ክሳብ ክንደየናይ እዩ ብሓደ ክኸይድ? ከመይ እዩ ክጠዓዓም? እንድሕር ምስቲ ዝፀንሐ ዘይጠዓዓም ኣይሰርሕን። ብምዃኑ እቲ ዝመፅእ ነቲ ዝነበረካ ሓጢጡ ዝድርቢ ዘይኮነስ ነቲ ዝነበረካ ዘልምዕ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዝመፅእ ነቲ ዝነበረ ፈርቲላዘር ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ እንተኮይኑ እዩ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል። ብርግፅ እውን ብሳይንስ ብባህሊ ብቴክኖሎጂ ክትዓቢ እትኽእል እቲ ናትካ ሒዝካ እዩ እምበር ባዶ ኢድካ ኣይኮነን።
ምስቲ ሃገር በቆል ፍልጠት ተኣሳሲሩ ሕዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተዓቖሩ መበቆላዊ ፍልጠታት ኣለዉ። ኣወዳት ምሕራስ ክኸውን ይክእል እዩ። ደቂ ኣነስትዮ ምፍታልን ምስፋይን ክንብል ንኽእል ወዘተ። ሕዚ እዚኣቶም ሒዝና ስለዘይተጉዓዝና ዲና ንሰንፍ ዘለና ድዩ ዝኾን ዘሎ ኣበሃህላኻ? እዙይ እንተኾይኑ፡ ብካልእ ገፅ ድማ እቲ ዓለም ዝበፅሖ እኮ ክንበፅሖ ኣለና። ኣብ ሓፂር ስዓት ብዙሕ ምፍራይ ዝኽእል ቴክኖሎጂ እኮ ክነተኣታቱ ኣለና?፤ እዚ ከመይ እዩ ተዛሚዱ ዝኸይድ?
እወ ሕዚ ዝወሃሃድ ወይ ዝዋደድ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ዝወሃሃድ ድማ ብዓብላላይ ዘይኮነስ ብኣልማዓይ መልክዕ እዩ ክኸውን ዘለዎ እዩ። ዳሓር ኣይርኣየናን ዝከውን እምበር ኩሉ ነገር እኮ ኣለና። ጥበብ ስነ ህንፃ ኣለና። ፊዚክስ ኣለና። ኣስትሮኖሚ ኣለና። እቲ ኣብ ዘበነ ኣክሱም ዝነበረ ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ኣብ ከበባቢና ዘለዉ ናይ ምምዕባል ስራሕ እዩ እቲ ዝበለፀ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ። ሕዚ ንኣብነት ማሕረስ ኣሎ። ንሓርስ እንዲና ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣምፂእና ኣይነማዕብሎን ዘለና። እነማዕብሎ ግን እቲ ናህና ገዲፍና እቲ ናይ ወፃኢ ማሕረስ ብምልፍላፍ ኣይኮነን። እናሓረስካ ኢካ እተማዕብሎ። እቲ ትምህርቲ ፖሊሲ እንተርኢኻ ሕዚ ዝተምሃረ ገባር ክፍጠር ስለዘይተኸኣለ መንግስቲ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ሕርሻ ኣተኣታትዩ። ክኾን ዝነበሮ ግን እቲ አክስቴንሽን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ኣብ ትምህርቲ ስርዓት ኣትዩ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገዛ ክኣቱ እዩ ዝግባእ ዝነበረ። ብተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ዝስራሕ ዘይኮነስ ኣብ ነበሲ ወከፍ ገዛ ክኣቱ። እቲ ዘሎ ሒዝና ንኺድ ኣይኮነን። እቲ ናይ ባዕልና ነማዕብሎ ኢና ንብል ዘለና። ናህና ደርቢና ናይ ካልእ ንሓዝ ዘይኮነስ ናይ ባዕልና ሳይንሳዊ ትሕዝቶ ናይ ምትሓዝ ስራሕ ንስራሕ እዩ እኒሀ እቲ ወግዒ። እዚ እንድሕር ኮይኑ ልምዓትን ምዕባለን ይመፅእ እዩ። እዚኣ ደርቢና ብካልእ ንተከኣያ እያ እታ ሕማቕ።
ሓንቲ ኣብነት ክህበካ። ቀደም ኣዳልት ስኪል ዲቨሎፕመንት ሰንተር ዝበሃላ ነይረን። ብሕልፊ ኣብ ኣክሱም እዚ ጥልፊ ገለ ዓይነት ነገራት ዘሰልጥና ነይረን። ይሰርሕ እዩ። ኣነ ከይደ ቃለ መጠይቕ ገይረዮም ይፈልጥ እየ። ብጣዕሚ ፅቡቓት ኣብነታት እየን ነይረን፤ ግን ኣጥፊእናየን። ኣላማይ ድየ ክብሃል ገለ ዝብሃል ነገር ጠፊኡ ስራሕ እኮ ስራሕ እዩ ናብ ዝብል ኣረኣእያ ከምፅእኦ ዝኸኣላ ማእኸላት እየን ነይረን። ናይ ባዕልኻ ባህልን ዘበናዊ ባህልን ሓዊስካ ኣልሚዕኻ ኣማዕቢልካ ኢኻ ስራሕ እትሰርሕ።
ፈላሊና እስኪ ንርኣዮ። ሕዚ ትምህርትን ባህልን ንበይኑ ኣሎ። ትምህርን ሳይንስን ቴክኖሎጅን እውን ኣሎ። እዚኦም ከመይ ይሳነዩ ቅሩብ ፍትሕ ኣቢልና እንተርኣይናዮም ይሓይሽ ይመስለኒ።
ባህልኻ ኢኻ እትምሃር እዩ እቲ ናተይ ቅዋም። ባህልኻ ከኣ ብጥሪኡ ዘይኮነስ ተመሓይሾ ኣለካ። ከመይ ገይርካ ኢኻ እተመሓይሾ? እዚኣ ባህሊ ምስቶም ካልኦት ዝጠቐስካዮም ነገራት ከመይ ከምዝዛመድ እተብርህ ሕቶ እያ። እንታይ እየ ዝብልዘለኹ፤ ባህልኻ እንዲኻ እትምሃር እዚ ድማ ብዝማዕበለ መንገዱ ንክትምሃሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን የድልየካ። ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዋላ ዘበናውነት ክንብሎ እንኽእል ባህልኻ ንምምሃር ዝሕግዝ ድኹዒ/ፈርቲላይዘር ማለት እዩ። ስለዚ ክልቲኡ ዝተተሓሓዘ እዩ። ባህሊ ናይ ባዕልኻ ማለት እንድዩ፤ ሕዚ እኮ እቲ ሓደ ነገር ንሰለስተ ሽሕ ዓመታት ናይ ባዕልና ሳይንስን ቴክኖሎጅን ሒዝና ምፅናሕና እዩ፤ ከይለወጥናዮ። ነይሩና እኮ እዩ ናይባዕልና። ናብ ፕሮዳክሽን ዝተቐየረ ቴክኖሎጅን ሓሳብን ነይሩ እዩ። ግን ኣይዓበየን። ከም ኣጀማምራና እንተንዓቢ ናይ ዓለም መራሕቲ ምኾንና ነይርና። ሕዚ እውን እንታይ ኣሎ ስኽ ኢልካ ሒዝካ ስኽ ናይ ምባል ፀገም ኣሎ። ስለዚ ኩሉሻብ ክመሓየሽ ኣለዎ። ሕዚ ዘሎ ኣካይዳ እንተርኢኻ በብመዓቱ ከመሓይሽ ዝኽእል ትካላት የለውን። ኣብ ደገ እንተሪኢና ግን በቢግዙኡ ሓዱሽ ነገር ሒዞም ይመፁ። ንኣብነት እዚ ናይ ማኑፋክቼሪንግ ንውሰድ በብዓመቱ ዝተመሓየሸ ቨርዥን ሒዞም እዮም ዝመፁ። ናይ ባዕሎም ማእኸል ኣለዎም ሪሰርች ኤንድ ዴቨሎፕመንት ዝብሃል። ናይዚ ዋና ስራሕ ካብታ ሕዚ ዘላ ዝሓሸት ምህርቲ ሒዝካ ምውፃእ እዩ። ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ከምኡ እንተዝህልው ሕዚ ካብዛ ናይ ሎሚዓመት ንዓመታ ዝሓሸት ክልጋሎት ሒዙ ክመፅእ ትፅቢት ይግበር። ትምህርቲ ሚኒስተር እውን እዚ እዩ ክገብር ትፅቢት ዝገበሮ ነይሩ። ከምዚ የብልናን። ሪሰርች ኤንድ ዲቨሎፐመንት ምስ ኣብ ዝኾነ ርእሰ ጉዳይ ዝስራሕ መፅናዕቲ እዮም ዘዋቕዕዎ ገሊኦም። እቲ ማለት እኮ ናይ ሓደ ዘፈር ኣገዳሲ ኣካል እዩ። ሪሰርች ኤንድ ዲቬሎፕመንት ሓደ ትካል ዝህቦ ግልጋሎት ወይ ምህርቲ ካብታ ሎምዘበን ዘላታ ንዓማታ እንታይ ወሲኻ ክትመፅእ ኣለዋ ዝብል ሕቶ እዩ ዝምልስ። ካልኦት እኮ በብዓመቱ ኣይኮነን በብርዒ ዓመቱ ሓዱሽ ለውጢ ሒዘን ክመፃ እዩ ዝገብር። ከምዚ ዝበለ ግን ኣብ ዓድና የለን። ሕዚ መበገሲ ኣለና። ኩሉሻብ እናተለወጥና ክንከይድ ኣለና። ክነማዕብሎ ይግብኣና እቲ ዘሎ ነገር። እቲ ናይ ወፃኢ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ሓጋዚ እዩ፤ ዘረባ ኣይብሉን።
ኣብ ናትና ባህሊ እቲ ሓደ ፀገም ንምውዳቕን ምትሳእን/ትራይ ኤንድ ኢረር ቦታ ኣይህብን። ከምኡ ብምዃኑ ኣብ ዓድና ምሙኳርን ምግጋይን ኣይከኣልን። እቲ ትኽክል ግን ምምኳርን ምግጋይን እንታይ ይህበካ? ካብ ጌጋኻ ተማሂርካ እቲእትደልዮ ምርካብ! ተምሃሮና እናወደቑ እናተስኡ (ትራይ ኤንድ ኢረር) ዝምሃሩሉ ዕድል ኣይፈጠርናን። ከምኡ ኣይፈቅድን እቲ ሲስተም። ኣባና እንተተጋጊኻ ትቕፃዕ፤ ይጎድለካ። ትወድቕ እውን። እቲ ሕብረተሰብና ምግጋይ ዘይፈቅድ ብምዃኑ ፖለቲካዊ ጌጋ ይኹን፣ ምሕዳራዊ ጌጋ ይኹን ናይ ሓሳብ ጌጋ ይኹን ኣየተኣናግድን። ተምሃሮ ንምንታይ እዮም ዘይጥይቑ እንተኢልካ ከይጋገዩ ስለዝፈርሑ እዮም። ጌጋ ኣይፍቀድን። እዙ ከቢድ ዝኾነ ሕማቕ ባህሊ እዩ። ጌጋ ክፍቀድ ኣለዎ። ክትጋገ ኣለካ ናይ ግድን። እትጋገ ዘለኻ ትሰርሕ ስለዘለኻ እዩ። እቲ ኣውሮፓውያን በፂሖምዎ ዘለዉ ናይ ቴክኖሎጅን ዘበናውነትን ደረጃ እንተርኢኻ ብትርያል ኤንድ ኢረር ዝመፀ እዩ። 999 ጊዜ ተጋግዮም እዮም እታ መብራህቲ ዝረኸብዋ። ስለዚ ብዙሓት ምህዞታት ናይ ምግጋያት ውፅኢት እዮም። ኣባና ግን ጌጋ ስለዘይፍቀድ ኣይከኣልን። ከምዚ ዝበለ ናይ ኣተሓሳስባ ኣእምሮ (ማይንድ ሴት) ክፍጠር ኣለዎ።
ብስሩ እምበር ዶክተር ሰብ ንምንታይ እዩ ዝምሃር? ኣብ ሓደ ፅሑፍካ ከምዘቐመጥካዮ ሰብ ንዝተፈላለዩ ዕላማታት እዩ ዝምሃር እሞ ብስሩኸ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ነዚ ትምሃር፤ ኣብዚ ከኣ ነዚ ዝብሃል ነገር ኣሎ ድዩ?
እቶም ፈላስፋታት ዝብልዎ ዋላ እሞ ንግደፎ ኣነን ንስኻን ግን ኣብ ሓደ ጉዳይ ክንሰማማዕ ንኽእል ኢና። ብሓፈሽኡ ሰብ ህላወ ይደሊ እዩ፤ ሳርቫይቫል ዝብሃል። ካልኦት እንስሳት ከመይ እየን ህላወን ዘረጋግፃ ዝብል ንውሰድ። እንስሳት ህላወአን ኣብ ተፈጥሮ ዝተመርኮሰ እዩ። እቲ ተፈጥሮ እንተዘየለ ህይወተን ኣይክህልውን። ሰብ ግን ይፍለ እዩ። ሰብ ብፍቓድ ተፈጥሮ ዘይኮነስ ባዕሉ እውን እዩ ዝፅዕር ንህላውኡ። ነዚ ድማ ፍልጠት የድልዮ። እቲ ፍልጠት ድማ ንህላወ ክውዕል እንተሎ እዩ። ስለዚ ትምህርቲ ህይወት ንክቕፅል ዘኽእል ሓይሊ እዩ። እግዝኣብሄር ወይ ተፈጥሮ ዝሃበና ፀጋ እዚ እዩ። ስለዚ እንምሃር ፍልጠት ንክንረክብ እሞ ንሱ ድማ ብሓፈሻ ህይወት ንክቕፅል ክሕግዝ እዩ። ካብዚ ወፃኢ እንተሃሊና ምናልባት ፅግዕተኛታት ንኸውን ኣለና ማለት እዩ።
ኣብ ናይ ግሪክ ፍልስፍና እንተከይድካ ትምህርቲ ማለት ንናፃ ሰባት እዩ ዝብል። ንባሮት ትምህርቲ ኣይውሃቦምን ነይሩ። እዚ ግን ልክዕ ኣይኮነን። ሕዚ ዓለም እናፀበበት ክትከይድ እንተላ ትምህርቲ ንስራሕ ክጠቅም ክኽእል ኣለዎ።
ቀደም ዝነበረ ኣተሓሳስባ ትምሃር እሞ እቲ ፍልጠትካ ኣብ ስራሕ ዓለም ኣቲኻ ተግባራዊ ትገብሮ እዩ ዝብል። እዚ ግን ልክዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሓደ ብተግባር ኣይሰርሕን። ካልኣይ ድማ ትምህርቲ ኣከዳሚክ ዝኾነ ነገር እዩ ዝብሃል ኣሎ። ወዲሰብ ኮ ትምህርቲ ዝጀመረ ኣብ ቀረባ እዋን እዩ። ይኹን እምበር ሰብ ካብ ተፈጥሮኡ እናተምሃረ ምምፅኡ ዘተሓታትት ኣይኮነን፤ ብተፈጥራዊ ፍልጠት እንግንዘቦ ኢና። እዚ ተቐይሩ ትምህርቲ ምስ ስራሕ ጎኒ ጎኒ ክርኣየሉ ዝኽእል ባይታ ክህልው ኣለዎ። ተማሂርካ ትምህርትኻ ኣብ ስራሕ ምውዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ብስሩ ንምምሃር እኮ እናሰራሕኻ እውን ክኸውን ዘለዎ። እናንበብኩ ወይ እናሰማዕኹ እንድሕር ኮይነ ዝምሃር እንታይ ስምዒት ይህበኒ? ይኩን እምበር እናተጋገኹ እናስተኻኸልኩ ኒሕ እናሓዘኒ ካብኡ ተበጊሰ እንደገና እናሰራሕኹ እንትዕወት እናተሓጎስኩ እንድሕር ኮይነ ዝምሃር ግን ከመይ ዝበለ ናይ ምምሃር ዓውዲ እየ ዝውንን ዘለኹ ማለት እዩ። ስለዚ ተምሃራይ ባዕሉ ዝምሃረሉ ዕድል ክህልው ኣለዎ። ውድቀትን ዓወትን ባዕሉ እናገምገመ እንድሕር ዝኸይድ እዩ ምምሃር ፅቡቕ ዝኸውን። ነዚ ድማ ተግባራዊ ትምህርቲ የድሊ። ናትና ፀገም ትምህርትና ከምዚ ዝበለ ዕድል ኣይህብን። ምስማዕ ሰልችይዎ እዩ ተምሃራይ።
ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ነጥቢ ምስማዕ ኣገዳሲ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ እዩ። ሽዑ ፍልጠት ውሱን ስለዝነበረ እዩ። ሕዚ ግን ፍልጠት ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣሎ። ፎቖዶ ኢንተርነት ዝርከብ ፍልጠት እንታይ ኢልዎ ደጊሙ ይሰምዖ? ስለዚ እቲ ተምሃራይና ሕዚ ካልእ እዩ ዝደሊ። እቲ እንህቦም ዘለና ካልእ ንሳቶም ዝደልይዎ ዘለዉ ካልእ። ካብቲ ተግባር ፍልጠት ይመፅእ። ካብኡ ድማ እቲ መንነታዊ ኣነ ዝብል ስምዒት (ቢንግ) ይመፅእ። ንሱ ንክመፅእ ድማ እቲ ሜላ ኣመሃህራ ከምቲ ዝበልኩኻ እንተኾነ እዩ።
“ ኩሉ ክምሃር ዝፍትን ሰብ ምንም ኣይምሃርን” እትብሎ ነገር ኣሎ? ከመይ ማለት እዩ?
ንሱ ኣበሃህላ እንድዩ፤ ኩሉ ማለት ዜሮ ማለት ኣይኮነን። ኩሉን ዜሮን ማለት እዩ። ብቐሊሉ ንምርዳእ በቲ ናይ ምዕራባውያን ናይ ትምህርቲ ሜላ ክንምሃር ዘይዓቕምና ንፅዕር። በዚ ድማ እቲ ባህልና ንድርቢ። ስለዚ ነዚ እውን ኣይኮናን ነቱይ እውን ኣይኮናን ጥራይ ኢድና ቀሪና ንምባል እዩ።
ናብ ትግራይ እሞ ንምፃእ፤ ዕላማ ውራይና ሊሂቃን ትግራይ ንትግራይ ይጠቅም እዩ ዝብልዎ ሓሳባቶም እናኣከበት ምክፍፋል እዩ። ስለዚ ናብ ትግራይ መፂና እንታይ ንብል ተነፃፃሪ መወዳደሪ ዓቕሚ ወይ ዝበለፀ መረጋገፂ ረብሓ ትግራይ ሰብ እዩ ኢና እሞ እንብል ትምህርቲ እውን ምልማዕ ሰብ ስለዝኾነ ቀንዲ ስርሑ፤ ምስዚ ተኣሳሲሩ ትግራዋይ ለሚዑስ ረብሓ ከምፅእ ናብ ዝኽእል ንምልዋጥ ዝተከየደ ክያዶ ኣሎ። ንሱ ከመይ ትርእዮ? ቀፃሊ ኸ እንታይ ተተገበረ ይሓይሽ ትብል?
እዚ ዘበን ናይ ፍልጠት ዘበን እዩ። ናይ ግሎባላይዜሽን ዘበን እዩ። ስለዚ እቲ ዝሓሸ ፍልጠት ዘይትጥቀም ዓዲ ክትምዕብል ኣይትኽእልን። እስራኤል ክትዓቢ ዝኸኣለት ኣብ ራሻ ዝነበሩ፣ ኣብ ፈረንሳይ ዝነበሩ፣ ኣብ ጀርመን ኣብ እንግሊዝ ዘማዕበልዎ ኣይሁዳውያን ፍልጠቶም ኣብ ዓዶም ስለዘፍሰስዎ እዩ። ናቶም ፍልጠት እዩ ኣዕብይዎ። ሓቦ ጥራይ ኣይኮነን ንእስራኤል ኣዕብይዎ ፍልጠት እውን እዩ። ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሕርሻ ኣትዮም፣ ኣብ ተምህርቲ ኣትዮም፣ ኣብ ኵናት ኣትዮም ኣብ ኩሉ ነገር ኣትዮም እዮም ኣማዒቢሎምዋ። ስለዚ ፍልጠት ናይ ኩሉ መራሒ እዩ። እዚ ኣተሒቱ ዝርኢ ዓዲ እንተሃልዩ ብካልእ መንገዲ ምሙኳር እዩ።
ናብ ትግራይ እንተመፂእና ፍልጠት ትጥቀም ዶ ኣይትጥቀምን ዘላ እንተኢልካ መፅናዕቲ የድልያ እዩ። ከቢድ ሕቶ እውን እዩ። ግን ትግራይ እዚ የድልያ እዩ። ምሁራን ክሳተፉ የድሊ ዶ ዝብል እውን ብጣዕም የድሊ እዩ መልሱ። መንግስቲ እውን ናይ ምሁራን ፎረም ፈጢረ እየ፤ ምሁራን ኢድኩም ሕወሱ ኢሉ ኣሎ። እዚ ዝኽሕድ ሰብ የለን። እዚ ግን ክፍፀም ኣለዎ። ምዝራብ ጥራይ ኣይኮነን። መንግስቲ ትግራይ ሓደ እዚ ክፍፅም ኣለዎ። ካልኣይ ኣፈፃፅምኡ ክቆፃፀር ኣለዎ። ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ ናይ ፖሊሲ ድዩ ወይስ ናይ ምትግባር ፀገም እዩ ዘጋጥም ዘሎ ዝብል። እቲ ተግባሪ እኮ ዝቆፃፀሮ እቲ ፖሊሲ መውፅኢ ኣካል እዩ። እቲ ክልል ምሁራን ክመርሑ ይገብር ኣሎ። ግን ከ እቲ ዓንተቦ ዝበልናዮ እዩ። ናይ ምሁር ዴፊኒሽን ሰርቲፊኬት እዩ፤ ድግሪ እዩ። ስለዚ እቲ ምህሮ ንምውዳእ እምበር ዓቕሚ ንምዕባይ ስለዘይኽየድ ዘሎ ኣፀጋሚ ዝገብሮ ይመስለኒ።
ኣነ ተምሃራይ እናሃለኹ ሃናፃይነት ነይሩና። ካብኡ እናቋረፁ ናብ ሃናፅነት ዝኸዱ ነይሮም። ካብ ኩሉ ዝወፁ ሰባት ምሓዝ እዩ ንምዕባለ ወሳኒ ዝኸውን። “ስኪሊንግ ትግራይ” ዝብል እውን ኣለኒ ኣነ ብዙሕ ግዜ ዝሓስቦ ንዝምልከቶ እውን ኣቕሪበዮ ዝነበርኩ፤ ከመይ ገይርካ ኢካ ትግራይ ከም ትግራይ ክኢላ እትገብሮ ዝብል። ስኽ ኢሉ ብዓብይኡ ትምህርትን ስልጠናን ኣይኮነን። ዋላ ብንኡስ ደረጃ ይኹን ክእለት ዘለዎ ትግራዋይ ምፍጣር! ናይ ምፅጋን ክእለት፣ ቡንባ ማይ ናይ ምስርጋሕ ክአለት፣ ናይ ኤሌክትሪክ ምስራሕ ክእለት ወዘተ ክእለታት ዳርጋ የለውን። ሓደ ጊዜ ንሰራሕተኛታት ኮንስትራክሽን ኤሌክትሪክ መን ይዝርግሕ፣ ቀለም መን ይቐብእ፣ መን ይነድቀልኩም ኢለ ሓቲተዮም። ሓረስቶት እዮም እዚ ኹሉ ዝገብሩ። ካብ ኮሌጅ ዝወፁ ኣይኮኑ ሰብ ሰርቲፊኬት ኣይኮኑ። ንሳቶም እማ ኩሩዓት እዮም ኢሎምዎም። ኣብ ግብፂ (ግብፂ 2 ዓመት ተማሂረ እየ) ቴሌቭዥን እንተተበላሽያትካ እንዳ ሰራሒ ኣይኮንካን እትኸይድ። ኣብቲ ጎደና ውፅእ ኢልካ ኢኻ ሓደ ሓላፊ ሒዝካ ኣቲኻ ቴሌቭዥንካ እተዕሪ። ዝኾነ ግብፃዊ እቶም ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎም መባእታውያን ክእለታት ኣለውዎ። ኮነ ተባሂሉ ዝተምሃርዎ እዩ። እዚ ኣባና የለን፤ ባዶ እዩ። ኣብ ግብፂ ሓምሻይ ኣቋሪፁ ስራሕ ዝስእን የለን። ስለዚ ኣብ ዓድና ብሓደ ገፅ ዓብዪ ናይ ክእለት ሕፅረት ኣሎ። ናይ ገዛ ሰራሕተኛ እውን እንተኾነ። ብካልእ ገፅ ድማ ዓብዪ ናይ ስራሕ ስእነት ፀገም ኣሎ። እዚ ፀገሙ ናይ ስርዓት ትምህርቲ እዩ። እቶም ትምህርቲ ስርዓት ዝቐርፁ ኣካላት ትምህርቲ ዝርድኦም ክኾኑ ኣለዎም።
ሓደ እዋን ኣብ ፖሊሲ ትምህርቲ ዘቕረብናዮ ሓሳብ ነይሩ፤ ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝተሳተፉ ኣነ እየ ነይረ። ትምህርቲ ብዕዙዝ ናይ ተግባር፣ ረብሓ ዘለዎ፣ ክእለታት ህይወት ዝሓዘ ወዘተ ዝብል እዩ ነይሩ እቲ ፖሊሲ። ኣብ ሞያዊ ትምህርቲ ድማ ከርእየካ ይኽእል እየ ዋላ ሕዚ ካብ 11 ይጅምር ኣይኮነን ዝብል። ካብ ቀዳማይ ብርኪ ክጅምር ይኽእል እዩ እዩ ዝብል። ግን ዘይስሩዕ ክከውን! ናይ 3 ወርሒ፣ ናይ 6 ወርሒ ናይ 9 ወርሒ እናገበርካ ክጅመር ኣለዎ እዩ ዝብል ዝነበረ። ካብ ኩሉ ብርኪ ንዝወፁ ዝውሃብ ሞያዊ/ክእለት ትምህርቲ ከምዘሎ እዩ ዘስምር። እዚ ግን ትምህርቲ ሚኒስቴር ኣይፈፀሞን። ሓደ ዘይተፈፀመሉ ምኽንያት ድማ እቶም ፖሊሲ ዲዛይን ዝገበሩ ሰባት ገፅ ትግበራ እታ ፖሊሲ ከይርእዩ እዩ ተገይሩ። ካልኦት ሰባት ተቐቢሎም እዮም ናብ ተግባር ወሲዶምዎ። መጠነኛ ዝኾኑ ክእለታት ዘትሕዝ መስርሕ ክሳብ ቀዳማይ ብርኪ እዩ ተዘርጊሑ ነይሩ። እቶም ሳይንስ ዝምሃሩ እውን ብተመሳሳሊ ምስ ህይወት እቲ ተምሃራይ ዝኸይድ ኣይኮነን። ኣድቫንሲድ ሳይንስ ተማሂሮም ናይ ሳይንስ ዝንባለን ኣተሓሳስባን ዘለዎም ሰባት ኣይትርእይን። መብዛሕትኦም ድግሪ ዝሓዙ እውን ናይ እማን እቲ ድግሪኦም ተግባራዊ ክገብርዎ ኣይርእን። ኣብ ተግባር ዝሽረፍ ተሸሪፉ እውን ዘድምዕ ናብ ውሽጥኻ ዝውሓጥ ሳይንስ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ስለዚ እዚ ጊዜ እዚ ናብ ተግባራዊ ትምህርቲ ክንምለሰሉ ዘለና ጊዜ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ እውን እዚ እዩ ክጠልብ ዘለዎ። ናይ ባዕሉ መዐቀኒታት እውን ከውፅእ ኣለዎ። ካብ ኣካዳሚያዊ ዝኾነ ኣካይዳ ወፂኦም ኣብ ቀረባ ክርከብ ናብ ዝኽእል ናይ ክእለት ዓውዲ ክምለስ ኣለዎ እቲ ናይ ትምህርቲ ከይዲ። ንህይወት ክረብሕ ናብ ዝኽእል ክፅጋዕ ኣለዎ። ተምሃሮ እውን ሽዑ ሕጉሳትን ደስኢልዎም ዝምሃርዎን ክኸውን እዩ።
ተምሃራይ ሕዚ ዘምፅኦ ዘሎ ውፅኢት ካብ ትምህርቲ ምፅልኡ ዝተልዓለ ሕማቕ ውፅኢት እዩ ዘለዎ። ብፍላይ እቲ ናይ ገጠር ተምሃራይ ማሕበራዊ ቅልውላው ዘለዎ እዩ ዝመስል። እቲ ዓስራይ ዝወደአ ተምሃራይ ኣብቲ ገጠር ምስ ወላዲኡ እኳ ክረዳዳእ ናብ ዘይኽእለሉ ኩነታት እዩ ዝሰጋገር ዘሎ እሞ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዘንቀሐና ይጎድኣና ዘሎ ይመስል። እዚ ናይቲ ፖሊሲና ውፅኢት ድዩስ ወይስ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ከጋጥም ዝኽእል ብርኪ ድዩስ? ከመይ እዩ? ከመይ ኢና ኸ ክንገብር?
እቲ ናይ ስራሕ ስእነት ዲኻ?
ስእነት ስራሕ ጥራይ እኮ ኣይኮነን። ባህሪ እውን እዩ ዝልወጥ ዘሎ። እቲ ዘይተምሃረ ናይ ኣቡኡ ሓሪሱ ከልምዕ ይኽእል እዩ። እቲ መሓዝኡ ዓስራይ ዝወደአ ግን ኣይከምኣ ሰሪሑ ኣይካልእ ስራሕ ሰሪሑ ቅልውላው ዘለዎ ይመስል። ማሕበራዊ ቅልውላው እንብሎ ዓይነት ኣሎ። ኣብ ትግራይ እዚ ሰፊሕ እዩ። እዚ እየ ዝብለካ ዘለኹ ዶክተር።
ሓደ ጊዜ ኣብ ዓድዋ ምስቲ ምምሕዳር ተዘራሪብና ኣብ ገጠር ወሪድና ነይርና። መሬት ፀቢባ ኢሎም። ኣካፍለኒ ኢሉ ቆልዓ ንወላዲኡ። ካብ ምንታይ እየ እሞ ዘካፍለካ ኢሉ ወላዲ። እታ መሬት ፀባብ እያ። ስለዚ ኪድ ኢልዎ እቲ ወላዲ። እቲ ውሉድ ድማ ወላዲኡ ክሞተሉ ተመንዩ። ከምዚ ዝበለ ሶሾሎጂካል መፅናዕቲ ርእይና ነይርና። እዚ ነቲ ዘሎ ፀገም ብማሕረስ ንምፍታሕ ዝተገበረ ፈተነ እዩ።
ብስሩ ግን ሓደ ፀገም ብማሕረስ ጥራይ ንምፍታሕ ምፍታን ዘኽይድ ኣይመስለንን፤ ኣብ ዝኾነ ዓዲ እውን ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ናይ ትግራይ መሬት ናብ ዓብዪ ኣፍራያይነት ክተልምዖ ብዙሕ ካፒታል እዩ ዝሓትት። ብዙሕ ፍልጠትን ገንዘብን የድሊ። ኣብ ኩርማን መሬት ሚልዮናት ገንዘብ ክተፍስስ ኣለካ። እዚኣ ናህና ሓረስታይ ክገብራ ኣይኽእልን። ስለዚ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ መሬት ምክፋል ኣይኮነን። እዚ ኹሉ ፈሰስ ገይርካ እውን ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ገለ ኢኻ ፍረ ክትረኽበሉ እትኽእል። ዝኾነ ኾይኑ እዚ ነቲ ሓረስታይ እውን ይጠቕሞ እዩ። እቲ ሓረስታይ ብዝልዓለ ብርኪ ከፍሪ ዘኽእል እውን እዩ። ግን ሓረስታይ ሒዝና ኢና እንነብር ዝብሃል እውን እሎ። ኣነ ኣይርድኣንን። ናይ ኣውሮፓ ሞዴል እንታይ እዩ፤ ኢንዳስትሪ ይድንፍዕ እሞ እቲ ሓረስታይ ናብ ከተማ ይኣቱ። ኣባና ከምኡ የለን። እቲ ከተማታይ እዩ ናብ ሓረስታይ ዝኸይድ እምበር እቲ ሓረስታይ ኣይኮነን፤ ናብ ኢንዳስትሪ ዘይብለን ከተማታት ኣይኣቱን። ሰለዚ እቲ መፍትሒ ፍልጠትን ቴክንሎጅን ምጥቃም እዩ። እዚ ብምጥቃም ኢና ክንፈትሖ።
ናብቶም ስራሕ ኣልቦ መናእሰይ ክንምለስ እንተለና፣ እንትጅምር ክእለት ኣይብሎምን፤ በቲ ዝበልናዮ መንገዲ ስለዝመፀ። ክእለት የብሎምን ጥራይ ዘይኮነስ ሸቂልካ ንምብላዕ ዘኽእል ስነ ኣእምሮኣዊ ድልውነት እውን የለን። ቅድሚ ድኣንት ምፍጣሩ እቶም ተመሪቖም ዝወፁ በፅቢፆምስ ኣነ ኢንተርቪው ገይረዮም ይፈልጥ እየ። መንግስቲ ዝተወሰነ ነገር ይገብር ነይሩ እሞ ንምንታይ ኣብኡ ተሓቝፍኩም ዘይትሰርሑ ኢለዮም ንሕና ኦቨር ኳሊፋይድ ኢና እዮም ኢሎም። ብፈረንጂ ብ2008 እዩ። መንግስቲ ብወገን ስለዝቖፅር እዩ እምበር ክፍቲ ስራሕ ቦታስ ኣሎ። ሰራሕታኛታት መንግስቲ ኢና ክንከውን ዘለና እዮም ዝብሉ። ስለዚ ሰብ እንድሕር ብፍልጠት ክወፅእ ገይርካዮ ሃፍቲ ይፈጥር እዩ። እዚ ክገብር ዘኽእል ዓቕሚ ግን ኣይሃብናዮን። ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ክህባ ኣይኽእላን። ከመይ እንተኢልካ እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ማእኸል ሳይንስን ምርምርን ኣይኮናን። ከምኡ ዝበለ መሪሕነት እውን ዘሎ ኣይመስለንን። ከምኡ ዝበላ ማእኸላት ትምህርትን ስርዓት ትምህርትን ከትክል ዝኽእል ዓቕሚ ዘለና እውን ኣይመስለንን። ይኹን እምበር ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ ኣድላዪ እዩ። ብውሑድ ሕዚ ምጅማር እውን ንኽእል ኢና። ዝኾነ ኾይኑ ሕዚ ዝሓሸ ዝመስለኒ ዋላ ንዕለቱ ሰሪሖም ዝበልዕሉ ክእለት ክህባ ክኽእላ ኣለወን ኣብያተ ትምህርቲ። ዘይፅሕፍ ዘየንብብ እኮ እዩ ቀለም ዝቐብእ፣ ዝነድቕ ወዘተ። ስለዚ እቲ ትምህርቲ ተምሃራይና ሰሪሑ ከይበልዕ ይገብሮ ስለዘሎ ሰሪሕኻ ከብልዕ ዝኽእል ትምህርቲ ክህብ ክኽእል ኣለዎ።
ቲቪቲ እዚ ኹሉ ጠለብ ከማልኣ ኣይኽእላን። ንሳተን ናይ ባዕለን ይገብራ። ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ድማ መጠነኛ ዝኾነ ስልጠና ክህባ ኣለወን። ዝ እነሓሸ ምስከደ እናማዕበሎ ይኸይድ። ናብ ድግሪ እናበለ እንትኸይድ ዝሓሸ ይኸውን። ትምህርቲ ኣብ ማንጉዱኡ ኣይኮንካን እትጅምሮ፤ ካብ ታሕቲ እዩ ክጅምር ዘለዎ።
ኣብቲ ምንጪ ናይቲ ፀገም ክነዋግዕ እንተለና እቶም ትምህርቲ ዝመርሑ ኣካላት እውን ትምህርቲ እንታይ እዩ ዘይምፍላጦም እዩ ፀገም ዝኸውን ዘሎ። ኣብ ዓድና ዳርጋ ኩሎም ናይ ዩኒቨርስቲ መራሕቲ ብስርዓተ ትምህርት ዝተምሃሩ ኣይኮኑን፤ ሕርሻ እዮም እቶም ዝበዝሑ። ሓደ ጊዜ ሓሲብና ሓሲብና ዶክተር ዛይድ እዩ ብቁጠባ ዝተምሃረ ረኺብና ዩኒቨርስቲ ዝመርሕ። ካልኦት ግን የለውን። እዚ ከመይ ትርእዮ? ካልእ ድማ ሓደ ፅሑፍ ኣለካ “ዩኒቨርስትን ናፅነትን” ዝብል ወረቐት! ናይ ኢህወደግ ሓደ ሽግር ኩሉ ክትቆፃፀር ምድላይ እዩ። እቶም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እውን ከም ፕሮፓጋንዳ ምጥቃም ኣሎ። እቲ ከምዚ ዝበለ ማይንድሴት የበላሹ ከይህሉዝብል ስግኣት ኣለኒ። ኩሎም ዓቕምታት ምቁፅፃር ምኽኣል እዩ ስልጣን ማለት ዝብል ፍልስፍና ኣሎ። ማሕበር ትኹን ዩኒቨርስቲ ብናትካ ኢድ ክትዝወራ ምድላይ ኣሎ። እንተደልዮም ንዕኡ ነቲ ውድብ ዝኸውን ናይ ባዕሉ ትካል ትምህርቲ ምጥያሽ ዶ ኣይምሓሸን? ዩኒቨርስቲ ዝኣክል ትካል ትምህርቲ ብመሰረታዊ ውዳበን ካልእን እዩ ተታሒዙ ዘሎ። እሞ ኣብዚ ዘለካ ርእይቶ እስኪ….
እወ እሞ! እቲ ገዛኢ ውድብ ወይ እቲ መንግስቲ ለውጢ ዘምፅእ ከምዚ ኣቢለ እንተከይደ እየ ኢሉ ይሓስብ። ስለዚ እቲ ገዛኢ ፓርቲ በዚ መንገዲ እዚ እንድሕር ዝሰርሓሉ ኮይኑ ካልእ ዘገድሶ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ሓይሊ ንሱ ነቲ ህዝቢ ክሰርሓሉ እዩ ኢልና ንኣምን እሞ ከም መልኣኽ ሓሲብና ንወስዶ እምበር ትጋገ ኣለኻ ኢልና ክንወቅስ ኣይንኽእልን። ልመና እዩ ዝኸውን እሞ ኣብ ፖለቲካ ድማ ምልማን ኣይሰርሕን። ከምዚ እንተኾይኑ እቲ ፀገም ኣባና ኣብቲ ህዝቢ እምበር ኣብቲ ሓይሊ ኣይኮነን። ብዙሕ ጊዜ ምኽንያትን ውፅኢትን ክንፍትሽ ከለና እቲ ናይ ቀረባ ኢና እንርኢ። ንኣብነት ኢትዮጵያ ንምንታይ ዘይማዕበለት እንተኢልካ ምኽንያቱ ሕማቕ ምሕደራ ስለዝነበራ ዝብል መልሲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። እዚ ግን እኹል ምኽንያት ኣይኮነን። ንምንታይ እዩ ሕማቕ ምሕደራ ነይሩ ድማትብል። ሽዑ ተጠምጢሙ ናባኻ እዩ ዝመፅእ። ስለዚ ተሓታቲ እቲ ገዛኢ ሓይሊ ዘይኮነስ ንስኻ ኢኻ ማለት እዩ። መንግስቲ ንምንታይ እዚ ዘይገበረለይ ዝበሃል ኣይኮነን። ግን እቲ ዋና መበገሲ እቲ ሓይሊ ዘይብሉ፣ ክወዳደር ዘይኽእል፣ ዘይተመሃረ ማሕበረሰብ እዩ ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ነገር ክፃወር ዝኽእል። ንሕና ግን ከም ምሁራን ነቲ ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ ነቲ ፀገም ክፃወር ዝኽእል ህዝቢ ምምሃር እዩ፤ ክነቅሕ ምሕጋዝ እዩ። እንተዘይኮይኑ ኢህወደግ ኮነ ካልእ እውን እንተመፀ ከምኡ እዩ ዝገብር። እዝክር ኢህወደግ ክመፅእ እንተሎ ዝተረጋግዐ ፖለቲካል ኩነታት ምፈጣር እናኸበደ ምስከደ ክቆፃፀሮ ዝፈተነሉ ኩነት ነይሩ፤ ባዕለይ እንተዘይሰሪሓዮ ከባልሽዉለይ እዩ ዝብል። ንምንታይ እዮም ዘበላሽዉሉ እንተኢልና ድማ እቲ ዘይተምሃረ ህዝቢ እቲ ሓበሬታ ዘይብሉ ህዝቢ ክትጥቀመሉ ስለዝድለ እዩ። እቲ መንግስቲ ሕሉፍ ፀጋም ክኾን ይኽእል እዩ። ማእኸላይ የማን ኢልካ እውን ብዙሕ ዝፈላለ ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ግን እቲ ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ተጠያቒ ዝገብሮ መዓዝ እዩ እንተኢልካ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ሓይሊ ከጥሪ እንተሎን ናይ ምሕታት ዓቕሚ ከጥሪ እንተሎን እዩ። ሕዚ ዓቕሚ ኣይብሉን። እቲ ሓደ በዚ ይወስዶ እቲ ሓደ በዚ ይወስዶ እዩ። ናይ ድጋፍ ቃልሲ ኢኻ እትርኢ ዘለኻ። ዝኾነ ኮይኑ ግን ኣብያተ ትምህርቲ ክገብሩ ዘለዎም ናይ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ቤተ ፈተነ/ኤክስፐርመንት ማእኸል ምዃን እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ጥራይ ከም መንፈሳዊ ሰነድ ምሓዝ ኣይጠቅምን። ብክትዕን ምርምርን ዝበሰለ ሓሳብ ዝወፅኣለን ማእኸላት እየን ክኾና ዘለወን። ከምኡ እንተኾይኑ እዩ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል። ከምኡ እንተኾይኑ እዩ ነቲ ስርዓት እውን ዝጠቕሞ። ምናልባት ንሓፂር እዋን ዶ ይጠቕሞ ይኾን እምበር ኣብ ነዊሕ እዋን እቲ ስርዓት ባዕሉ እዩ ተጎዳኢ። ከምኡ ክኾን ኣይግቦኦን።
ካልእ ናይ ፕሮፎሽናል ባውንድሪስ እንተርኢኻ ድግሪ እዩ እምበሪ ስፔሻላይዜሽን ኣይርኢን። ቀዳማይ ዲግሪ ዲኻ፣ ከልኣይ ድግሪ ዋላ ሳልሳይ ድግሪ እዩ ዝብል እምበር እንታይ ሰልጢንካ ኣይብልን። ንኣብነት ሚኒስቴር ሕርሻ እቲ ዝዓበየ ናይዛ ዓዲ በጀት ዝስልዓሉ እዩ። ኣብ ኢህወደግ ይሓይሽ እምበር እዚ በጀት እዚ ቀደም ኣብ ናይ ባዕሎም ጉዳይ እዮም ዘውዕልዎ ነይሮም። ይምሃሩሉ ወዘተ። ኣብ ምዕባለ ማይ፣ ሓመድ፣ ኣብ ኣትክልቲ፣ ምዕባለ እንስሳ ዝውዕል ምርምር ኮነ ስራሕ ውሱን እዩ ነይሩ። እቲ ገንዘብ መምሃሪኦም እዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ፕሮፎሽናል ባውንድሪስ ምሓዝ ምፍላጥ የድሊ ማለት እዩ።
ኣብ ካልእ ዓድታት ዩኒቨርስታት ዝመርሑ ሰባት ከመይ ዝበሉ እዮም?
ምስቶም ካልኦት ተወዳዲሮም ንሕና ኢና ንሓይሽ ኢሎም ከምዝኣተዉ እዩ ዝስምዓኒ እቶምናይ ዓድና። እዛ ኮንስፔራሲ ቲዮሪ ኣይቕበላን። ናይ ሕርሻ ሰባት ኮነ ተባሂሎም እዮም ኣብ መሪሕነት ዩኒቨርስታት ዝምደቡ እትብል ኣይቕበላን።
ከመይ ድኣ?
ኣብ ደርጊ ንኣብነት ኩሎም ናይ መንግስቲ ቦታታት ካብ ደብረዘይቲ ናይ ግብርና መሰልጠኒ ማእኸል ብዝመፁ ዝተትሓዘ እዩ ነይሩ። ዶኳትር እዮም ነይሮም። ንመንግስቲ ዝቐረቡ እዮም ነይሮም። የገልግሉኒ እዮም ኢሉ ድማ ቆፂርዎም። ናይ ሕርሻ ሰባት ብሕልፊ ብልጫ ዘለዎም እነታይ እዮም ክኾኑ ዝግብኦም ኢልና ንሕተት። እዞም ሰባት እዚኦም ሕርሻ እዮም ከልምዑ ዘለዎም። ኣብ ገጠር ንዓኣቶም ዝኸውን ምርምር ሕርሻ እንተዝህሉ ናብዚ ኣይምመፁን። ኣብቲ ሕርሻ ስራሕ ስለዝስእኑ እዮም ናብ ኣካዳሚክ ዝመፁ ዘለዉ። ብኡ እዮም ነቲ ቦታታት እውን ሒዞምዎ ዘለዉ ኢለ እየ ዝሓስብ። ከምዚ ድኣ እምበር መንግስቲ ኮነ ኢሉ ናይ ሕርሻ ሰባት ክቖፅር ኢሉ ሓሲቡ ዝገበሮ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ኣዝዩ ፕሪሚቲቭ ዝኾነ ኮንስፓሬሲ እዩ ዝመስልኒ። ብቕንዕና/ጄኒኑሊ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፤ እታ ናይ ውሽጠይ። እዚ ብዘይምዝራበይ ዝመፅኣኒ ነገር ከምዘየለ ይፈልጥ እየ። ከምኡ ኢሎም ዝዛረቡ ሰባት ኣለዉ።
ናይ ሶሻል ትምህርቲ ንኣብነት ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ፣ ምርምር ማሕበራዊ ሳይንስ ዘሎ ሰብ ንምሕታት ርትዓዊ ንምዃን ገለመለ ቀረባ እዩ። እቲ ግና ቅሩብ….
እሞ ንሱ እኮ እየ ዝብለካ ዘለኹ። መን እዩ ንዝቃወሞ ዝሸውም? ኣነ ናትካ ፖሊሲ ከፈፅም እየ ንዝበለ እዩ ዝሸውም እምበር ኣነ ኣብኡ ኣትየ ክነቕፈካ እየ ንዝበሎ ዝሸውም ስርዓት የለን። ሓደ ሕቶ ግን ኣሎ። ንምንታይ እዮም እዞም ሰባት እዚኦም ድልዊ ኮይኖም ነቲ ፖሊሲ ከፈፅሙ ተረኺቦም እንተኢልካ ግና እታ ዘልዓልኩልካ እያ መልሳ። እቲ ዝበልካዮ ዝሓሸ ናይ ምቁፃር ዕድል ኣለዎ። ናብ ዘይመንግስታዊ ትካላት ክከይድ ይክእል። ስለዚ ናይ ስራሕ ፀገም የንሉን፤ ኣብ ከተማ ክቁፀር ይክእል። እቶም ናይ ሕርሻ ሰባት ግና ሓደ በዝሖም ገዚፍ እዩ። ኣብ ከተማ ድማ ስራሕ የለን። በቲ ዝሰልጠኑሉ ኣብ ከተማ ክቑፀሩ ኣይክእሉን። ዘለዎም መማረፂ ናብ ከተማ ምእታው እሞ ናይ ሰብ ስራሕ ምውሳድ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ንመንግስቲ ሰሓብቲ እዮም ዝኾኑ፤ ኣነከገልግለካ እየ ዝሓሸ ኢሎም ስለዝቐረቡ እዮም እምበር ናይ ሕርሻ በዓል ሞያ እየ ዝሸውም ካብ ዝብል መትከል ኣይኮነን እዩ እቲ ናተይ ክትዕ።
እዚ ከመይ ገይርካ ይልወጥ እንተኢልካ ሓደ ንዓቶም እውን በቲ ዝተምሃርዎ ዓውዲ ክሰርሕሉ ዝክእሉሉ ዕድል ክፍጠር ኣሎዎ። እዚ ዝፍጠር ድማ እቲ ሕርሻ ክለምዕ ኣለዎ። ሳይንስን ቴክኖሎጅን መሰረት ዝገበረ ሕርሻ የድሊ ንሳቶም ዝሰርሕሉ። መዳበርያ ምውሳድ ገለ ብዝብል ጥራይ ኣይኮነን። ገዚፍ እዩ መበገሲ ኢንቨስትመንቱ። መንግስቲ እውን ኢንቨስት ክገብር ኣለዎ። ሐዚ እኹል ኣይኮነን። ኣነ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ትግራይ ተዛሪበ ነይረ፤ ኣብ ትግራይ ካብቲ ናይ ትምህርትን ጥዕናን ቀኒስና ኣብ ሕርሻ ኢንቨስት ክንገብር ኣለና ኢለ ነይረ። ብዙሕ ስራሕ ዝፍጠረሉ ምግባር የድሊ፤ እምበር 80 ካብ 100 ሓረስታይ ሒዝካ ምስቲ ዝግበር ዘሎ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ዝኸይድ ኣይኮነን። ቁጠባ እቲ ገጠር ብከምዚ ንምልዋጥ ኣክሪካልቸራሊስትስ የድልዩ። እዚ ከይኮነ ምስተረፈ እዩ ኣብዚ ኣብ ናይ እንዳማቶም ቦታ ዝወስዱ ዘለዉ።
ኣየናይ እዩ ዝሓሸ ርትዓውነት (ክሪቲካሊቲ) ዝበልካዮ ፅቡቕ ንሱ ምምዛን ዘድልዮ እዩ ዝመስለኒ። ሕርሻ ማለት ሞያዊ ነገር እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ንርትዓውነት የጉድሎ እዩ ዝብሃል ነገር ኣሎ። ኣነ ኣይኣምነሉን። ዘይተመሃረ ሓረስታይ ውሰድ። ብጣዕሚ ክሪቲካል እዩ። ከመይ? እዚኣ ኣይትኾንን። እዚኣ ኣይትኾንን። እስኪ ክርእያ። ክፍትና። ወዘተ ኢሉ እዩ ዝውስን። ምስ ሞያ ዝተትሓዘ ናይ ምኽንያታዊ ምዃንን ዘይምዃንን ነገር የለን። ዘይምኽንያታዊ ክሪቲካሊቲ እውን ሓደ ሓደ ጊዜ ዘይርትዓውነት እዩ። ሓቀኛን ሚዘናውን ምዃን የድሊ እዩ። ስኽ ኢልካ ምቅዋም ሕዚ ንኣብነት ክሪቲካል ምዃን ኣይኮነን። ስክ ኢልካ ምድጋፍ እውን ከምኡ። መን እዩ ርትዓዊ እንተኢልና ቅሩብ ምርኣዩ የድሊ እዩ። መንግስቲ ዘዋፅኦ እዩ ዝገብር። ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ክንርእዮ ንኽእል። ቀደም ‘ኔሽን ቢዩሊዲንግ’ ይብሃል ነይሩ። ሕዚ እንታይ ከምእንብሎ ኣይፈልጥን። እዞም ነገራት እዚኦም ይሕብሉቑ እዮም ኣብቲ ቁጠባን ካልእን። ድሓር ድማ ፍርሒ እውን ኣሎ። ኣብያተ ትምህርቲ ኣዝዮም ዝተፀለዉ እዮም ብፖለቲካ። ኣብኡ ድማ ይዛይድ እቲ ፍርሒ። እዚ ዘዋፅእ ኣይኮነን። ኣማራፂ እንተዘይብልካ ክትገብሮ ትኸውን፤ ዓላማኻ ግን ንሱ ክኸውን ኣይብሉን።
ኣነ እዚ መንግስቲ እዚ ኣበጋግስኡን ኣመፃፅእኡን ትኽክለኛ እዩ ኢለ ይኣምን እየ። ግን ናብ ትክክለኛ መንገዲ ድዩ ዝወስዶ ዘሎ ኢልካ እንተሓቲትካ እንድዒ፡ ይኸብድ እዩ። ናይ ውሽጡ ሽግራት ኣለዉ። ናይ ደገ እውን ከምኡ።
ዝኾነ ኮይኑ ናፅነት ኮነ ካልእ ከም ህያብ ካብ ካልእ ዝውሃበካ ዘይኮነስ ዘይሩ ዘይሩ ንስኻ ኢኻ እተምፅኣ። ባዕልኻ ኢኻ እተምፅኣ።
ውራይና፦ ብዙሕ ነገራት ኣልዒልና ኣለና፤ ሰፊሕ ገዜ ሂብካ ምዕቡል ተሞኩሮኻን ፍልጠርካን ብስፍሓትን ዕምቆትን ሰለ ዘካፈልካና ብሽም መንበብቲ ካብ ልቢ ነመስግን። የቐንየለይ!
ኣነ እውን የመስግን!