ብ ተጋዳላይ ተኽለብርሃን (ደ/ር)
መእተዊ
ትግራይ መበገሲት ስልጣነ ሃገርና እያ፡፡ ብታሪኽ ሃፍታ ካብተን አብ ዓለምና አብ ቀዳማይ መስርዕ ዝስርዓ ሃገራት ሓንቲ እያ እንተትብሃለ ምግናን አይኸውንን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዘመናት ነፃነት ንምጉዕፃፅ ዝተፈተኑ ወራራት አብ ምፍሻልን አብ ሃገርና ተኾሊዑ ዘሎ ናይ ሓርነትን ምዕባለን ሽግ አብ ምውላዕን መሪሕ ተራ ዝተፃወተ ህዝቢ እዩ፡፡ እዞም አብ ታሪኽና አብ ሃገርና ተኻይዶም ዝብሃሉ ውግአት ምናልባት እውን እቶም ካብ 95% ንላዕሊ አብ ትግራይ ዝተኻየዱ አብ ርእሲ ምዃኖም ብገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ኮነ ተባሂሉ ብዝተፈፀሙ ናይ ተንኮላት ፍሕሶ ድማ እቲ ዝመረረ ከርፋሕ ናይ ድኽነት ሂወት ንኸሕልፍ ዝተፈረዶ ህዝቢ ነይሩ ክበሃል ይካአል፡፡ ህዝቢ ትግራይ በቶም አብ ታሪኹ ብዘጋጠምዎ ፈተናታት እንተተይበደሀ እኳዳአስ ብቓልሱ እናሰዓረ ብሄራዊ መንነቱን ክብሩን ሓልዩ ህልውንኡ አረጋጊፁ ክቕፅል ዝኸአለ ሃርበኛ ህዝቢ ምዃኑ ንልምዓትን ዲሞክራሲን ህንፀት ክንጥቀመሉ ዝግባእ ፍሉይ ፀጋ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን እዚ ዓርሞሸሸ ህዝቢ እዚ ምስቲ ኩሉ ጥንካርኡ ምስቲ ኩሉ ናይ ስልጣነ ታሪኹ ንምንታይ እዩ ናይ ድኽነት ቀለበት ፈንጢሑ ክወፅእ ዘይከአለ? ካብ አኽሱም ስልጣነ ጀሚሩ ዝሃነፆ ውህሉል ዓቕሚ ድኽነት ንምስዓር ከመይ ክጥቀመሉ ይኽእል? አየናይ ናይ ዕብየት መማረፂ እንተዝጥቀም ከ እቲ ፍሉይ ብልጭኡ ንዝላን ህዳሰን መገልገሎ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት አብ ኩሎም ምዕባለ ደለይቲ ተጋሩ አእምሮ ዝመላለሰሉ ሕቶታት እዩም፡፡
ህዝቢ ትግራይ አብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ተራ ብልዑል ክቕፅል እንተኾይኑን ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ምስኡ ሓቢሮም ክነብሩ ክመርፅዎ ዝኽእሉን ግን በቲ እስካብ ሕዚ ዝሰርሖ ታሪኽ እንተይኮነስ አብዚ ሓዱሽ መድረኽን አብ ቀፃሊን ብዘየቋርፅ መንገዲ ብዝፈጥሮ ሃፍቲን ብልጭኡ ተኾሊዑ ንኽወፅእ ብዝገብሮ ቃልስን ከምዝውስን ማንም ዝስሕቶ ጉዳይ አይኸውንን፡፡ ስለዝኾነ ውን ናብቲ እንምነዮ ናይ ምዕባለ ብርኪ ብዝቐልጠፈን ውሑሰን ብዝኾነ መንገዲ ከብፅሑና ዝኽእሉ ኩሎም መማረፂታት ክንፍትሸን ክንዛተየሉምን አብ መጨረሻ ከዓ ውሳነ እናዕረፍና ክንምርሽን ይግባእ። ስለዚ ብህወሓት መሪሕነት አብ ሕርሻን ናይ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪን ዘተኮረ ናይ ልምዓት ጉዕዞ መማረፂ ከምዘሎ ኮይኑ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ (ሉስሉስ ሃፍትና አብ ምምዝማዝ ዝተሞርኮሰ ናይ ኢኮኖሚ ዕብየት መማረፂ) ከመይ ገይርና ንዝላን ህዳሰን ንጥቀመሉ? ዝብል ሕቶ ሒዝና ቀሪብና አለና፡፡ አብዛ ሓፃር ፅሕፍቲ እዚአ ናይ ፍልጠት ኢኮኖሚ ክንብል እንተለና እንታይ ማለትና እዩ? ንምንታይ አብ ትግራይ ከም ናይ ዝላ መማረፂ ይረአ? ካብ እስራኤል፣ ቻይናን ደቡብ ኮሪያን እንታይ ክንማሃር ንኽእል? ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ እቲ ዑቐር ዓቕምና መዝሚዙ ናብ ውሑስን ስሉጥን ምዕባለ ከመይ ከሸጋግረና ይኽእል? እንታይ ዓይነት ተበግሶታት መሪፅና እንተንጅምር ዘቀፃፅል ዓቅሚ (Tiping point) ክንፈጥር ንኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ክንፍትን ኢና፡፡
አብ ግምት ክአትው ዝግባእ ጉዳያት (Few Assumptions)
- እዚ መበገሲ ሓሳብ ክነቕርብ እንተለና ነቶም ሐዚ ዘለው ናይ መንግስቲ ፖሊሲታት ብምቅዋም አይኮነን፡፡ እኳደአስ እዞም ህልዊ ፖሊሲታት ውሑስን ስሉጥን ብዝኾነ መንገዲ ንኽፍፀሙ ልዑል ተራ ክፃወት ዝኽእል ብንፁር ፖሊሲን ስትሪቴጂን ክምራሕ ዘለዎ ዕቑር ዓቕምታትና ክንምዝምዝ ዘኽእለና ሃፍቲ አሎ ካብ ዝብል ዝብገስ እዩ፡፡
- ብሃገር ደረጃ ኢህአዲግ ዝሓንፀፆም ፖሊሲታት ምስቲ በቢ ከባቢኡ ዝህልው ፀጋታት አተአሳሲርካ ብምትንታን ዓውዳዊነት ክህልዎም እንተዘይተገይሩ ክዕወቱ አይኽእሉን፡፡ ነዚ ከም አብነት ክጥቀስ ዝኽእል አብ ትግራይ አብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዕቀባ ዝተመዝገበ ዓወት ኮይኑ ናይ ፍልጠት እንዱስትሪውን ንፍሉይ ናይ ትግራይ ኩኑታት አብ ግምት ዘእተወ (Contextualized approach) መማረፂ እዩ ክኾን ዝግባእ፡፡
- ናይ ፍልጠት ኢኮኖሚ ህንፀት ጉዳይ ናይ ዝማዕበሉ ሃገራት አጀንዳ ገይሩ ዝሐሰበሉ ኩነታት ይረአ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን ንኢትዮጵያ ብሓፈሻ ንትግራይ ድማ ብፍላይ ካብ ናይ ድኽነት ዓንኬል በጢሰን ንኽወፃ ናይ ዝላ ሓይሊ (Leapfroging power) ኮይኑ ዘገለግል እዩ፡፡ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ናብ ማእኸላይ እቶት ብርኪ ንኽንሰጋገር ዘገልግል ጥራሕ እንተይኮነስ ናብ ዘላቒ ስልጣነ ንኽንስጉም እቲ ዝደልደለ መሠረት ኮይኑ ዘገልግል እዩ፡፡
- ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ቅልጡፍን ውሑሱን ተወዳዳሪ ዓቕሚ (Competitive advantage) ንኽንሃንፅ ዘኸአለና እቲ ዝሐፀረ መንገዲ እዩ፡፡
- ንሕና ዘለናዮ ናይ ምዕባለ ብርኪ ሕርሻ መሰረት ዝገበረ ማሕበረሰብ (agrarian society) ንሐበሬታን ዳታን ከም ልዑል ሃፍቲ ዘይጥቀምን ሉስሉስ ሃፍትታቱ (Soft Capital) አለልዩ አብ ምልማዕ ዘዝግምን ብዝያዳ ድማ አብ ዝጭብጡ ሃፍትታት (Hard resources) ዘተኩር ምኳኑ እቲ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ንምልማዕ አብ ዝግበር ፃዕሪ ዕንቅፋት እኳ እንተኾነ አብ ትምህርቲ ዝመፅእ ዘሎ ምዕባለን ናይ ኢንተርኔት ምስፍሕፋሕን ዕድላት ብምምዝማዝ ክሰግሩ ይኽእሉ እዮም፡፡
- ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ንቶም ካልኦት ናይ ልምዓት ፅላታት ተሸኪሙ ዝወፅእ ጥራሕ ዘይኮነስ ባዕሉ ክኢሉውን ናይ ሃፍቲ ምድላብን ስልጣኔን ፍልፍል ኮይኑ ዘገልግል እዩ፡፡
- ናይ ፍልጠትኢንዳስትሪ ምልማዕ ጉዳይ ናይ ሰብ ሓይሊን አመራርሓን ከምኡውን ታሪኻዊን ባህላዊን ፍሉይ ውህብቶታት (Talents) አለሊኻ ናይ ምልማዕን ምጥቃምን ጉዳይ ብምኻኑ ካብቲ ዝተለመደ መንገዲ ዝወፀ አካይዳ፣ ውፍይነት፣ ስርዓትን አመራርሐን ዝሓትት እዩ፡፡
- ባህሪ ናይዚ ኢንዱስትሪ ካብቶም ካልኦት ፅላታት ዝተፈለየን ንነገራት ብመጠን ካብ ምዕቃን ወፂእና ብዓይነትን ሃንዳሳይ (Disruptive) ብዝኾነ መንገዲ ምዕባለ ንምርግጋፅ እንስርሐሉ ብምኳኑ ነዚ ዝምጥን ራእይ ዘለዎ አመራርሓ ይሓትት፡፡
ናይ ፍልጠት ኢንዲስትሪ እንትንብል እንታይ ማለትና እዩ?
ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ክንብል እንተለና ብዋናነት ፈጠራን ቴክኖሎጂን መሰረት ብዛዕባ ዝገበረ ናይ ልምዓት አንፈት ምዝራብና ምዃኑ ልቢ ክበሃል ይግባእ፡፡ ከምዝፍለጥ ፍልጠት አብ ውህሉል ዳታን ሓበሬታን ዝምስረት ዝተተንተነ ንዝኾነ ዓይነት ውሳነን ተግባርን ዝመርሕ ሳይንሳዊን ጥበባዊን ባህሪ ዘጣመረ ሓቂ እዩ፡፡ እቲ ሳይንሳዊ መልክዑ ቐመራዊ ስርዓት ተኸቲልካ ዝብፃሕ አብ ዝኾነ ዓለማዊ ክፋል ተደጋጊሙ ክረጋገፅ ዝኽእል ስነሓሳብ (Theory) ወይ ከዓ ናይ አሰራርሓ መንገዲ (Methods) ዝውስን እንትኾን ጥበባዊ መልክዑ ድማ ከከም ናይ ማሕበረሰብ ታሪኽ፣ ፍልስፍናን ባህሊን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ኮይኑ ዝግለፅን ህዝብታት ከም ፍሉይ ብልጫ መዝሚዞም ዘልምዕዎ ሃፍቲ ምኳኑ ዝገልፅ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን አብ ሞንጐ እቲ ሳይንሳዊን ጥበባዊን መልክዓቱ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ስለዝኾነ ሳይንስ አብ ዘማዕበለ ሕብረተሰብ ጥበባዊ ሃፍትታቱ ጓሕጉሑ ዝጥቀም ክኸውን ከምኡውን ጥበባዊ ሃፍቲታቱ መዝሚዙ ዝጥቀም ሕብረተሰብ ሳይንሳዊ ዓቕምታቱ ከዕቢ ግድን ይኸውን፡፡
ብካሊእ ገፅ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ክንብል እንተለና ነቲ ጥበባዊን ሳይንሳዊን ትሕዝቶታት ናይ ፍልጠት ንምምዝማዝ፣ ንምትንታን፣ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ንምስግጋር፣ ንምዕቋርን ካልእ ሃፍቲ ንምፍጣርን ድሕንነቱን ንምሕላውን ንምሕብሓብን ዘገልግሉ ናይ ቴክኖሎጂን ፈጠራን (Innovation) ኢኮኖሚ ማለትናውን እዩ፡፡ ስለዝኾነ ብጭቡጥ አብ ትግራይ ናይ ፍልጠት ሃፍቲ ክንብል እንከለና በጥቕልሉ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ቅርሲታት፣ ስነፅሑፍን ቋንቋን፣ ዛንታን፣ ቅያን ናይ ቃልሲ ተሞኩሮን ወዘተ ዝምልከት እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ታሪኹ ዝወረሶ ጀግንነት፣ ፈተናታት ናይ ምስጋር ዓቕሚ፣ ወያናይ ሐቦ፣ አብ ቅኑዕ መትከል ዓሲልካ ዓወት ናይ ምሕፍስ ባህሊ፣ ንሓቅን ዕላማን መስዋእቲ ናይ ምኽፋል፣ ናይ አመራርሓ ሳይንስን ጥበብን ተሞኩሮታት፣ ስነፅሑፍን፣ ቋንቋን፣ ታሪኻዊ ትውፊትታን ቅርፃ ቅርፅታትን፣ ተወዲብካ ምስራሕ፣ Risk ናይ ምውሳድ ባህሊ፣ ፅንዓትን ቆራፅነትን (Persistence and Perseverance)፣ መረዳእታ ናይ ምጥቃምን ምልውዋጥን ባህሉ መዝሚዙ ብምጥቃም ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚ ክሃንፅ ዝኽእል ዓቅሚ ዘለዎ ህዝቢ እዩ ፡፡
ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ መሠረት ዝገበረ ኢኮኖሚ እንትንብል ድማ ልዑል ቴክኖሎጂ (High-Tech) ናይ ምልማዕ፣ ምጥቃምን ምሻጥን ዓቅሚ ይሐውስ። ማለትውን ናይ ጠፈርን ህዋን ቴክኖሎጂ፣ ናይ ሳይበር ድሕንነትን ምክልኻልን ቴክኖሎጂ፣ ባዮ ቴክኖሎጂ፣ ናኖ ቴክኖሎጂ፣ ኮምፒውተር፣ ሶፍትዌር፣ ቴሌኮምኒኬሽን ኢንዱስትሪ፣ ሳይበር ቱሪዝም፣ ናይ ዲጂታል ሚዲያ እንዳስትሪ፣ ናይ ታለንት ልምዓት ኢንዳስትሪ፣ ናይ ልዑል ዳታን ኮምፒውቲንግን ፕላትፎርም ከምኡውን ጂኦስፓሻል ሓበሬታ ኢንዳስትሪ መረጃን ሲሙሌሽንን ኢንዳስትሪ ወዘተ ዝሐውስ እዩ፡፡
እዚ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪታት መሪፅና ናይ ምምዕባል ጉዳይ ንፁር መመዘኒ ምጥቃም ዝሓትት ኮይኑ ብቐንዱ አብ ትግራይ ዘሎ ዕቑር ሉስሉስ ሃፍትታትና መዝሚዝና አብ ዕዳጋ ንኸነቕርብ ብዘለዎ ተራ፣ ብንኡስ ካፒታልን ብዝሓፀረ ግን ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ዝላ ክነረጋግፅ ብዝህበና ተከእሎን ነቶም ካልኦት ናይ ልምዓት ፅላታት ማለትውን ናይ ሕርሻ መፍረያይነት፣ ካብ ምዕባይ አንፃር፣ ናይ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪን ቱሪዝምን ተሸኪሙ ካብ ምውፃእ ብዝህልዎ ተራን ክምዘን ይኽእል እዩ፡፡
እዚ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ መንግስቲ አብ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ፈጠራን ምስ ዝኽተሎ አንፈት ተአሳሲሩ ዝኸይድ ኮይኑ ዝፍፀመሉ ፀፍሕታት ድማ ፅንዓትን ምርምርን፣ ቴክኖሎጂ ምምዕባል፣ ናይ ኢንጂነሪንግ መፍትሕታት አብ ምሃብ፣ አገልግሎት፣ ኦፕሬሽንን፣ አፕሊኬሽን ምምዕባልን ማኑፋክቸሪንግን ዝፍፀም እዩ ክኸውን፡፡
ንምንታይከ እዩ ናይ ፍልጠት ኢኮኖሚ (ኢንዳስትሪ) አብ ትግራይ ከም ናይ ዝላ መረጋገፂ መማረፂ ክረአ ዝግባእ?
ከምዝፍለጥ ናይ ዕብየት መማረፂ ክምረፅ እንተሎ ዝተነፀረ ረቋሒ እንተሃሊካ እዩ፡፡ ናይቶም ረቋሕታት ትሕዝቶ ከከም ኩነታቱ ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ ብውሑዱ እዘን ዝቕፅላ ረቋሒታት ከማልእ ይግባእ፡፡
- እቲ መማረፂ ናይቲ ዓዲ ዕቑር ዓቕሚን ሃፍቲን መዝሚዙ ዝጥቀም ክኾን አለዎ
- አብቲ ናይ ዓዲ ወይ ከዓ ህዝቢ ፍሉይ ብልጫታት (Comperative advantage) ክምርኮስ አለዎ፡፡
- ብተነፃፃሪ ብንኡስ ኢንቨስትመንትን ወፃኢን አብ ጥቕሚ ዝውዕል ክኾን ይግባእ
- ዓለማዊን ከባቢያዊን ዕድላት ብዝግባእ ንምምዝማዝ ዘኽእል ንሕፅረታት ዝሰግርን ክኸውን ይግባእ፡፡
- ዓይነታዊ ዝላ ዝፈጥርን ሃንዳሳይ (Disruptive) ተኽእሎ ዘለዎን ክኾን ይግባእ
ካብዘን አብ ላዕሊ ዝተገለፃ ረቋሕታት አንፃር ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ንናይ ትግራይ ኩነታት ዝጥዕም ድዩ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ናይ እዘን ስዒበን ዝግለፃን ካልኦት ምክንያታትን ርትዓዊነት ምርግጋፅ የድሊ፡፡
- ትግራይ ዘለዋ ብሕታዊ ሃፍቲ እቲ ፃዕራም ህዝባ (Human Capital) እዩ።ትግራይ ካብ አኽሱማዊ ስልጣነ ጀሚሩ ዝተዋህለለ ንፍልጠት ኢኮኖሚ ምምዕባል ዘመቹ ታሪክ፣ ባህሊ፣ ተውፊታት፣ ውህሉል ተሞኩሮ (Wisdom)፣ ቋንቋ፣ ስነ-ፁሑፍ፣ ፍልስፍና ፈጠራታት፣ ጠንካራ ስራሕተኛ ህዝቢን በዓል ዋና ምዃና፣
- ብተነፃፃሪ ፀቢብ ተሓራሲ መሬት ዘለዋ መብዛሕቲኡ ከባቢ ድማ ንብዙሕ ዘመናት ልሙዕነቱ ዝወደአ ጎቦታትን አኻውሕን ዝበዝሖ ጂኦግራፊ ዘለዋ ክልል ምዃና ስትራተጂያዊ ቆላሕታና አብ ፍልጠትን ኢንዳስትሪን ምግባር መማረፂ ስለዘይብሉ፣
- ካብ እስራኤል ዝወሓደ ህዝቢ ዘለዋ ግን ድማ አብ ፍልጠትን ትምህርትን ቆላሕታ ዝገብር፣ ንለውጢ ቅሩብን ፃዕራም ህዝቢ ዝሐቆፈት ናይ ከተማነት ዕብየታ ቅልጡፍ ዝኾነት ክልል ምዃና፣
- ተጋዳላይ ህዝቢን አብ ምክልኻል ሃገር ልዑል ተሳትፎ ዝነበሮን ዘለዎን ንፍልጠት ኢኮኖሚ ዝተመቻቸወ እሴትን ባህሊን ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ትውንን ምዃና
- አብ ወፃኢን አብ ዓዲ ውሽጢን አብቲ ናይ ፍልጠት ኢኮኖሚ ዝነጥፍ ግን ከዓ ምቹው ፖሊሲን ስትራቴጂን ዝፅበ ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ምህላው፣
- ሕዚ ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት ንፍልጠት ስግግር ዘመቹ ምዃኑ፣ ጥበባዊ ዓቕምታትና ብምምዝማዝ ተወዳዳሪ ዓቕሚ (Competitive Advantage) ክንፈጥር ዘኽእል ተሞክሮውን ስለዘረጋግፅ፣
- ብተነፃፃሪ ብዘነአሰ ወፃኢን ጊዜን ክለምዕ ዝኸእል መፍራያይነት ብዝተዓፃፀፈ ንኸንውስኸ፣ ናይ ኤክስፖርትን ኢምፖርት ሳብስቲቲዩትን ዓቅምና ክልዕል ዝገብር ከምኡ ከዓ እቶም ንዘመናት ምዕባለና ሓኒቖም ዝፀንሑ ማሕለኻታት በጢስና ዝላ ክነምፅእ ዕድል ስለዝፈጥር፣
- አብ ሕርሻን ኢንዳስትሪን ከምኡውን አብ አገልግሎትን ቱሪዝምን ክምዝገቡ ንፅበዮም ምዕባለታት መሠረት ኮይኑ ስለዘገልግል ባዕሉ ክኢሉ ድማ ውሑስ ናይ ኢኮኖሚን ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ህንፀትን ንምርግጋፅ ዝግበር ናይ ድሕሪ ማእኸላይ እቶት ዘሎ ግስጋሠ መሠረት ኮይኑ ስለዘገልግል፣
- ስሉጥን ፍትሓዊን ምሕደራ ስርዓት ንምህናፅ ንዕኡ ዝፍፅም Meritocracy ንምልማዕን መተካእታ ዘይብሉ መማረፂ ምዃኑ፣
ካብ ካልኦት እንታይ ንምሃር?
እዚ ናይ ዕብየት መማረፂ ክንርኢ እንተለና ቅድሚ 30 ዓመት አብቲ ሕዚ ንሕና ዘለናዩ ደረጃ ዝነበሩ ግን ከዓ አብዚ እዋን ተወዳዳሪ ኢኮኖሚ ናይ ዝሃነፁ ሃገራት ተሞኩሮ ብሓፂሩ ምምርማር የድሊ፡፡ እቲ እንመሃሮ ተሞኩሮ ብሕማቕን ብፅቡቕን መልክዑ ዝገለፅ ክኸውን ይግባእ፡፡ ካብ ቻይና፣ እስራኤል፣ ደቡብ ኮሪያን ታይዋንን፣ ብዙሕ እንምሃሮ አሎ፡፡ ኮይኑ ግን አብዚ ፅሑፍ ናይ እስራኤልን ቻይናን ከም ዝስዕብ ብሓፂሩ ክቐርብ እዩ።
እስራኤል
- እስራኤል ካብተን ትግራይ ክትማሃረለን ዝግባእ ምሩፃት ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡
እስራኤል ናይ ፈጠራ ሃገር ተባሂለን ካብዝፅውዓ ናይ ዓለምና ሃገራት ውሸጢ ሓንቲ እንትትኾን አብዚ እዋን አብ ፍልጠት ኢኮኖሚ (Hightech Industry) ካብ አሜሪካ ቀፂላ ትስራዕ፡፡ እስራኤል ከም ሃገር ካብትቐውም ዘካይደቶም ሰለስቲ ዓበይቲ ውጉኣትን ብዘየቋርፅ መንገዲ ናይ ህልውና ሓደጋ ንምክልኻል ክትብል አብ ቴክኖሎጂ ፈጠራን ዝተመስረተ ናይ ሃገር ድሕንነትን ኢኮኖሚን ንምህናፅ ዝተከተለቶ አንፈት ነቲ ሐዚ በፂሓቶ ዘላ ብርኪ ንኽትበፅሕ ጥጡሕ ኩነታት ከምዝፈጠረ ይግለፅ፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ብኹሉ መዳያት ዝተኸተለቶ ናይ ዓርሰ ምርኮሳ ፖሊሲን ስትራቴጂን ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ዓለም ክፋላት ዝመፁ ዜጋታት (Diaspora) ታለንትን ከምኡውን ፅንዓት፣ ተወፋይነትን፣ መሃዛይነትን መለለይኡ ዝኾነ ህዝባን ብዝግባእ ወዲባ ብምንቅስቃሳ ክትዕወት ከምዝኸአለት ይግለፅ፡፡ ስለዝኾነ ውን አብዚ እዋን እዚ ንኹሎም ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪታት እንከይሓወሰ አብ ናይ ሳይበር ድሕንነት ኢንዳስትሪ ጥራሕ ካብ ዝነጥፉ ዘለው 250 ኩባንያታት አብ ዓመት 3.5 ቢሊዮን USD አታዊ ትረከብ አላ፡፡
- እስራኤል እዚ እዩ ዝበሃል ዝሕረስ መሬት እኳ እንተዘይሃለዋ ልዑል ቴክኖሎጂ (High-Tech) መሰረት ዝገበረ ናይ ሕርሻ ልምዓት ብምርግጋፅ አብ ዓለምና ብእቶተን ካብ ዝፍለጣ ሃገራት መስርዕ አቲያ አላ፡፡ ብተወሳኺ ሕርሻ አብ ትሑት ቴክኖሎጂ (Low-Tech) ከምዝምስረት ጌሩ ዝሓሰብ ዓላማዊ አረአእያ ብምስባር ልዑል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም 95% አፍራይነት ክትወስኽ ዝኸአለት ሃገር ከምዝኾነት ይሕበር፡፡
- እስራኤል አብዚ እዋን ካብ አሜሪካ ብምቕፃል ካብ ኩለን ምዕቡላት ሃገራት እንኮላይ ውን አውሮፓ በሊፃ አብ 2009 ጥራሕ 63 አብ NASDAQ ዝተመዝገቡ ኩባንያታት ብዓል ቤት እንትትኾን በቢዓመቱ ናብ ክልተ ቢልዩን ዝፅጋዕ ቬንቸር ካፒታል ኢንቨስትመንት እትስሕብ ከምኡውን ንሲቪላዊ ፅንዓትን ምርምርን ጥራሕ 4.3% ሃገራዊ GDP እትምድብ ሃገር ምዃና ይግለፅ፡፡ ዳንሴኖርን ሳኡል ሲንገርን ዝተበሃሉ ፀሓፋቲ “Start-up-nation” አብ ዝብል መፅሓፎም ናይ እስራኤል ብልፅግና ሚስጢር እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ እንተምልሱ: እስራኤል ፍሉይ ታለንት ዘለዋ ዓዲ ስለዝኾነት እንተይኮነስ ህዝባ ፅንዓት፣ ሓታቲን መርማርን ባህሊ፣ ንፎርማሊቲ ዘይጭነቕ ተምሃራይ ባህሊ ዘለዎ፣ ውድቀት ዘይፈርሕን ሪስክ ዝወስድን አረአእያን ተግባርን፣ ከምኡውን ሓቢርካ ምስራሕ (Team work)፣ ንዕላማን ተልዕኮን ምስዋእን ፅላታት ዝሻገር ናይ ፈጠራ በዓል ዋናነትን ምርግግፁ ምዃኑ ይገልፁ፡፡
ቻይና
- ብዙሓት ፀሓፍቲ እታ አስታት ቅድሚ 40 ዓመታት አብ ፍፁም ድኽነት ዝነበረት ቅድሚ 20 ዓመታት ድማ እዚ ዝበሃል ናይ ልዑል ቴክኖሎጂ በዓልቲ ዋና ዘይነበረት ቻይና አብዚ እዋን እዚ እቲ አብ ዓለምና ብኻልአይ ደረጃ ዝስራዕ ኢኮኖሚ ዝሃነፀት ከምኡውን ብልዑል ቴክኖሎጂ ካብ 5 ንላዕሊ ብዓለም ደረጃ ዝወዳደራ ኩባንያታት ዘበርከተት ሃገር ክትከውን ዝኸአለትሉ ዋና ምኽንያት ምስ ናይ ዴንግ ሻውፒንግ ብአውሮፓውያን አቆፃፅራ ድሕሪ 1979 ዝተኸተለቶ ፖሊሲ ውፅኢት ምዃኑ ይገልፁ፡፡ ዴንግ ሻውፒንግ ዝወሰዶም ወሰንቲ ስጉምቲታት ሓቂ ካብ ጭብጢ ምድላይ (Seeking truth from fact)፣ ንኹሉ ነገር አብ ናይ ተግባር ውፅኢቱ ምልካዕን ንአእምሮ ካብ እስርቤት ሓራ ምውፃእን (freeing of mind) አብ ዝብሉ ዓንድታት ዝምስረቱ ምንባሮም ይግለፅ። በዚ መሠረት ውን መጀመሪያ ናይ ሕርሻ መፍረያይነት አብ ዘዕብዩ ስጉምቲታት አተኩሮም ዝሰርሑ እንተኾኑ ድሕሪ 4 ዓመታት ግን ትምህርቲን ቴክኖሎጂን ቀንዲ ትኹረት ዝገበረ አንፈት ብምሕንፃፅ ተንቀሳቂሶም፡፡ እዚ ክገብሩ እንተከለው ናይ ውሽጢ ዓዲ ፈጠራን ቴክኖሎጂን ምዕባይ አብ ዝብል ዝምስረት አካይዳ ዝተኸተሉ እንትኾን፤ ኾይኑ ግን እዚ ጉዳይ አብ ዕፅው ማዕፆ ክፍፀም ከምዘይኽእል እኳደአስ ናይ ደገ ቴክኖሎጂ ምትእትታው ዘይትካእ ተራ ከምዘለዎ ስለዝኾነውን ንናይ ምዕራብ ዕዳጋ ክፍቲ ዝኾና ናይ ልምዓት ኮሪደራት ብምክፋት ናይ ዓዲ ውሽጢን ናይ ደገ ሓይልታትን ብሽርክና ዝሰርሕሉ ኩነታት ብምምችቻውን ዝፈፀምዎ ነይሩ፡፡ አብዘን ናይ ልምዓት ኮሪደራት ካብ ዝነበራ ትካላት ውሽጢ ዴንግ ሻውፒንግ ብአቆፃፅራ አውሮፓ ብ1992 አብዝነበሮ ናይ ደቡብ ጉዕዞ ፍሉይ ትኩረት ሂቡ ካብ ዝረአየን ጉዳያት እተን ናይ ልዑል ቴክኖሎጂ (High-Tech) ኩባንያታት ከምዝነበረ ይግለፅ፡፡
ከመይ ንኺድ?
እዚ ናይ ፍልጠት ኢኮኖሚ (ኢንዱስትሪ) ልምዓት ካብቲ ሕዚ አብ ስራሕ ዘሎ ናይ ምሕደራ ስርዓትን ኩነታትን ዝተፈለየ አካይዳ ዝጠልብ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ስለስተ ነንባዕሎም ዝተአሳሰሩ ህልውና ዘለዎም ጉዳያት ዘተኮረ ለውጢ የድሊ፡፡ ንሱውን ናይ አመራርሓ፣ ስርዓታዊ ቅርፂ (ምቹው ከባቢ) ዝርገሐን ጭቡጥ ተበግሶታት ሓንፂፅካ ብንፁር ናይ ብስለት ደረጃ ሞዴል እናዓቀንካ ምምራሕን የድሊ፡፡
በዚ መሠረት መጀመሪያ አብ ናይ ፍልጠት ኢኮኖሚ ህንፀት መማረፂ ዘየማትእ ቅዋም ዝወሠደን፣ ራእይ ዝሰነቐን ዝውስንን አመራርሓ ምህላው ጉዳይ ወሳኒ እዩ፡፡ እዚ ንምስኻዕ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ነዚ ተበግሶ ናብ መሬት ክወርድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ምዝተመረፀ ናይ አመራርሓ እርሾ ዓሙቕ ናይ ምይይጥ መድረኻት ብምፍጣር ምትእምማን ከድሊ እዩ፡፡
እዚ ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ንባዕሉ ይኹን ነቶም አብ ተግባር ዘለው ፅላታት ተሸኪሙ ብምውፃእ ዘለዎ ተራን ተግባራዊነትን ብዝምልከት ምርድዳእ ምስተፈጠረ ንምልምዑ ግድን ተደለይቲ ዝኾኑ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን አብ ፅንዓት ተመስርቲካ ምንፃር የድሊ፡፡ ምስዚ ጉኒ ንጐኒ ነቶም ስትራቴጂታት ንምሕንፃፅ ይኩን አብ ምትግባሮም ክነጥፉ ናይ ዝግባኦም መዳርግቲ አካላት ተራን ምትእስሳርን ዝምልከት ንፁር ሓሳብ ምሓዝን አብቲ ፅንዓት ድማ ካብ ዝተመረፁ ሃገራት ተሞኩሮ ምቕሳምን አብ ትንተና ዝተመስረተ ጭቡጥ ስትራቴጂያዊ መደብ ምውፃእን የደሊ፡፡
ኮይኑ ግን መበገሲ አመራርሓ ምድላው ባዕሉ እኹል አይኸውንን፡፡ እኳ ደአስ እቶም ዝሕንፀፁ ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታትን መደባትን አብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ ውደባዊ ቅርፅታት ምድላው ከደሊ እዩ፡፡ ውደባዊ ቅርፅታት ብዋናነት ናይ ጋቨርናንስ ስርዓት ዝርገሐ ዝምልከት ኮይኑ ናይ ፋይናንሳዊ ልቓሕ ስርዓት፣ ነቲ ኢንዱስትሪ ልምዓት ዝመርሑን ዘተባብዑን ኢንስትዩታትን፣ ትሕተ ቅርፂ ዝርገሐ፣ ምስቲ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ተአሳሲሮም ዝፍፀሙ ናይ ፈጠራ ልህቀት ማእኸላት (Inqubation and Center of excellence) ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ወዘተ ዝምልከት ንፁር አካይዳ ምሓዝ ይጠልብ፡፡
አብዚ ፍሉይ ትኩረት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ፋይናንሳዊ ድጋፍ ስርዓት ዝምልከት እዩ፡፡ ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ምምዕባል ጉዳይ ብዋናነት አብ ዘይጭቡጥ ሃፍቲ ዝምስረት ስለዝኾነ ብሓደ ገፅ ኮላተራል አትሒዝካ ንምልቃሕ ዘየመቹ ምኳኑ ብኻልእ ገፅ ድማ ብዙሓት ጀመርቲ ኩባንያታት ናይ ምቕሃም ሪስክ ዘተአናግድ (High level attrition) ዝግለፀሉ ኢንዳስትሪ ምዃኑ ምቕባል ይሓትት፡፡ ስለዝኾነ ነዚ ብፍሉይ ዘተአናግዱ ናይ ልቓሕ ቢሮ ከምኡ ውን ናይ ኮላተራል ታሪኻዊ ዳታ ምዝገባ ትካልን ክህልው ይግባእ፡፡ መንግስቲ እቲ ኢንዳስትሪ ንምብርትታዕ ምእንቲ ክኽእል ናይ ውልቀ ትካላት ክነጥፍሉ አብዘይከአል ናይ ፅንዓትን ምርምርን ትሕተ ቅርፂ አብ ምዝርጋሕን ፕሮጀክትታት እናቐረፀ ፈንድ ዝግበርን ኢንስቲዮቲት ምጥያሽ ከድልዮ እዩ፡፡
እዚ ኢንዳስትሪ ንምልማዕ ዋና ትኹረቱ አብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዓቕሚ ህንፀት ከምኡውን ፈጠራታት (Indigenous Innovation) አብ ምብርትታዕ ከተኩር ዘለዎ ኮይኑ ነዚ ዘቀላጥፉ አብ ማእኸል ሃገር ይኹን አብ ወፃኢ ዘለው ኩባንያታት ዝስሕብ ኩነታት ክፈጥር አለዎ፡፡ ምስዚ ጉኒ ንጉኒ ዝተመረፁ ናይ ወፃኢ ኩባንያታት ብምስሓብ ናይ ሓበር ፕሮጀክታት (Joint development) ብምቕራፅ ናይ ቴክኖሎጂ ሽግግር ዘቀላጥፍ ስራሕቲ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ፡፡
እዚ ኢንዳስትሪ ብቐንዱ ናይ ታለንት ልምዓት ስትራቴጂ ሓንፂፅካ ምትግባር ይጠልብ፡፡
ታለንት ክንብል እንተለና ናይ አመራርሓ፣ ናይ ሰብ ሓይሊን ትካላትን ታለንት ዝሓውስ እዩ። ናይ ታለንት ልምዓት ፕሮግራም ካብቲ ናይ ፍልጠት ኢኮኖሚ ህንፀት ስትራቴጂን ፖሊሲን ክብገስ ዘለዎ ኮይኑ አብ ንፁር ናይ ካሪር (ሰብ-ሓይሊ ዕብየትን ልምዓትን) ስርዓት ክምስረት አለዎ፡፡ እቲ ናይ ካሪር ልምዓት ስርዓት ድማ ናይ ፅንዓትን ምርምርን፣ ናይ ቴክኖሎጂ ልምዓት፣ ፅገናን ኦፕሬሽንን፣ ናይ ፈጠራን ኢኖቬሽንን፣ ኢንጂነሪንግ፣ አገልግሎትን አመራርሓን ናይ ስራሕ ቤተሠባት ዘካልል ክኸውን ትፅቢት ይግበር፡፡ አብዚ ፍሉይ ትኩረት ዘድልዮ ጉዳይ እቲ ናይ አመራርሓ ናይ ስራሕ ቤተሰብ ኮይኑ ንፁር ኮምፒተንሲ ተቐሚጡሉ ብቴክኖሎጂ (Vetting and Psychometric test) ክሕገዝ አለዎ፡፡ አብዚ ዝግበር ኢንቨስትመንት ድማ ነቲ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ጥራሕ ዘይውሰንን ነቶም ካልኦት ፅላታትን ናይ መንግስቲ መሓውራትን እውን ከም ግብአት ዘገልግል ክኸውን አለዎ። ንዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁን ካልኦት ጉዳያትን መልሲ ምሃብ እኳ አድላይ እንተኾነ ንሃገርና ሓዱሽ ብምዃኑን ብተፈጥርኡ እቲ ኢንዳስትሪ ውስብስብን ዘይግመቱ ጉዳያት ዝበዝሖ ስለዝኾነን ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ብዝተረደአና ደረጃ ናብ ተግባር እናአተናን አብ ከይዲ እናተምሃርናን ምዕባይን ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ።
ነዚ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ዝመርሕ ሓይሊ ግን ብባህሪኡ ነዊሕ ሰንሰለት ዘይብሉ፣ ሪስክ ንምውሳድ ዝተዳለወ፣ ንምምሃር ክፉትነት ዘለዎ ውሑድን ምሩፅን ሓይሊ ዘተአኻኸበ ትካላዊ ቅርፂ እዩ ዘድልዮ፡፡
ጭቡጥ ተበግሶታት
- ኢንፎርሜታዜሽን (Informatization)
እዚ ተበግሶ እዚ ናይ መንግስቲ አሰራርሓ ስርዓታት ካብ ዝተለመደ አሰራርሐታት ብምውፃእ ናብ ዲጂታላይዜሽን ናይ ምሽግጋርን አብ ሓቀኛ፣ ተአማኒን ስሉጥን ናይ ሓበሬታ ልውውጥ ዝተሞርኮዘ ናይ አመራርሓን ቁፅፅር ስርዓትን ምዝርጋሕ ጉዳያት ዘጠቓለለ እዩ፡፡ እቲ ሕዚ ዝርአ ዘሎ ናይ ሰናይ ምሕዳራ ሽግራት ክፍታሕ እንተኾይኑ ምስ ናይ አረአእያን ባህልን ምቕያር ስራሕቲ መሳ ንመሳ ግልፅነትን ተሓታትን ዘረጋግፅ አብ ናይ ሰባት ድሌት ዘይምስረት አውቶሜትድ ናይ ሓበሬታን ፍልጠትን ፍሰት ስርዓት ክህነፅ አለዎ፡፡ ብፍላይ ናይ መሬት ምሕዳራ ስርዓት፣ ናይ ታሪኽ፣ ቱሪዝምን ተፈጥሮ ፀጋታት ሃፍታትና ንዓለም አብ ምቅላሕ ካብ ቁሸት እስካብ ክልል ዘለው ምምሕዳር አካላት አብ ፅፉፍ ናይ ሓበሬታ መረበብ ምእታው ጉዳይ ቀዳምነት ክረክብ ይግባእ፡፡ እዚ ናይ ኢንፎርማታይዜሽን ፕሮግራም አብ ሓይሊ ሠብ መጠን ዝተሞርኮዘ ህልዊ ናይ መንግስቲ መሐውር ናብ ሜሪቶክራሲ አብ ምቕያር ክነፃፅር አለዎ፡፡ ኢንፎርማይታይዘሽን ካብቲ አብ ላዕሊ ዝተገለፀ ብተወሳኺ ናይ ፍልጠት መሰረተ ልምዓት ዝርገሐን መፍረያይነት ዝውስኹ መሳሪሕታትን አብ ምትእትታው እውን ከተኩር አለዎ።
- ናይ ታለንት ክሪቲካል ማስ ልምዓት
ቅድም ኢሉ ከምዝተገለፀ ታለንት ብሓይሊ ሰብ፣ ብአመራርሓን ትካላትን ደረጃ ዝግለፅ እዩ፡፡ ናይ ታለንት ክሪቲካል ማስ ምፍጣር ክንብል እንከለና ትግራይ ናብ ዘየቋርፅ ናይ ምዕባለ ምሕዋር ከሰጋግር ዘኽእል መበገሲ መጠንን ዓይነትን ናይ ምድላው ጉዳይ ዝምልከት እዩ፡፡ እዚ ክኸውን ዝኸእል ድማ ካብቲ አጠቓላሊ ናይ ልምዓትን ዲሞክራሲን ህንፀት ዕላማታትና ምስኻዕ አንፃር ከምኡውን ናይ ፍልጠት ኢኮኖሚ ህንፀት ስትራቴጂና ዝብገስ ንፁር ስትራቴጂን ፍኖተ ካርታን እንትህሉ ጥራሕ እዩ፡፡ እዚ ናይ ታለንት ዓቕሚ (Critical Mass) ብውነ ዘልምዕ ትካላዊ አመራርሓ ምዝርጋሕ፣ ናይ ልምዓት ትሕተ ቅርፅታት ምድላውን ምጥቃምን፣ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር ልምዓት፣ ናይ ትምህርቲን ስልጠና ትካላት ካሪኩለም ቀረፃ፣ አብ ታለንት ምብዛሕ ዝነጥፉ ማእኸላትን ፓርክታትን ምስፍሕፍሕ፣ ናይ ፍልጠት ስግግር ዘረጋግፁ ትካላት ምምልማልን ምስሓብን፣ ናይ ፍልጠት ምሕደራ ስርዓት ምዝርጋሕ ወዘተ ዘጠቓለለ ስራሕቲ ምፍፃም ይሓትት፡፡ ከምኡውን አብ ማእኸል ዓዲ ይኹን ወፃኢ ተበቲኖም ዝርከቡ ምሁራት፣ ኪኢላታትን ትካላትን ናብ ትግራይ ዝስሕብ ፖሊሲ፣ ስትራቴጂን ስልቲን ቀሪፅካ ምፍፃም የድሊ።
- ናይ ምሕደራ ስርዓት (Governance) እዚ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ክዕንብብ እንተኾይኑ ናይ መንግስቲ ልዑል አመራርሓ ክረክብ አለዎ፡፡ ቅድም ክብል ከምዝተገለፀ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ ከምቶም ካልኦት ኢንዳስትሪታት አብ ዝጭበጥ ሃፍቲ (Tangible Capital and Rsource) እንተይኮነስ አብ ልሱልስ (Soft Capital) ዝምስረት ብምዃኑ Venture Capitalist ብቐሊሉ ዝርከብ አይኮነን፡፡ ባንክታት መትሓጃ (Colateral) ስለዘይረኸብሉ ልቃሕ ብቀሊሉ ዝርከብ አይኮነን። ከምኡውን አብቲ ኢንዳስትሪ ብዙሓት ጀሚሮም ውሕዳት ጥራሕ ውፅኢት ዘመዝግብሉን ምርጋፍ ዝበዝሖን ኢንዳስትሪ ብምዃኑ ፍሉይ ናይ መንግስቲ ድጋፍ የድልዮ። ስለዝኾነ አብዚ ኢንዳስትሪ ዝግበሩ ፅንዓትን ምርምርን ስራሕቲታት ምችው ኩነታት ዝፈጥርን ዘተሓባብርን ኢንስቲቱት፣ አናእሽትን ማእከለዎትን ናይ ፈጠራ ትካላት ምስፍሕፋሕን ፈንድ ዘመቻቹ ፕሮግራም ከምኡውን ናይ ኢንፎርማይታይዜሽን ፕሮግራምን ካልኦት ፕሮግራማትን ምጥያሽ የድሊ፡፡ እዚኦምን ካልኦትን ፕሮግራማት ምስ አብ ዩኒቨርስቲታት ዝህልው ናይ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ ኢንጂነሪንግን ሒሳብን (STEM) ፕሮግራማትን ከምኡውን ምስ ዕዳጋን ካልኦት ኢንዳስትሪታትን ክህልው ዝግባእ ምትእስሳራት ዝፈጥሩ እዮም ክኾኑ፡፡
- ኢንተርፕይዛት ምጥያሽ
መንግስትና ልምዓትዊ መንግስቲ ብምዃኑ አብቲ ኢኮኖሚ ዝፃወቶ ተራ ነቲ በዓል ሃፍቲ ምችው ኩነታት ናይ ምፍጣርን ክፍተት አብ ዘለዎ ድማ ቀጥታዊ ተሳትፎ ብምግባር አብ ምንቕቃሕን ተልእኾ ከምዝተሸከም ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚ ናይ ፍልጠት ኢንዳስትሪ (ኢኮኖሚ) ድማ አዝዩ አብ ትሑት ብርኪ ዝርከብ ምስ ምዃኑን ብባህሪኡ ድማ ካብቶም ካልኦት ናይ ኢኮኖሚ ልምዓት ፅላታት ዝዓበየ ሪስክ ስለዘለዎ ክፍተቱ ብጣዕሚ ዝሰፈሐን ምስ ምኳኑ መንግስቲ ብልዑል ክዋሰአሉ ዝግባእ እዩ። ስለዚ ካብ ብሄራዊ ላበራቶሪታትን ፕላትፎርምን ምዝርጋሕ ጀሚሩ እስካብ ሰሪሖም ንዕዳጋ ዘቀርቡ አብ መጀመሪያ ናይ መንግስቲ ድጋፍ ተጠቒሞም ብከይዲ ባዕሎም ኪኢሎም አብ ዓለማዊ ዕዳጋ እውን ዝወዳደሩ ኢንተርፕራይዝታት ከጣይሽ ይግባእ። እዞም ኢንተርፕራይዛት ድማ አብ ዲጂታል ሚዲያ፣ ሳይበር ቱሪዝም፣ ሳይበር ማንፋክቸሪንግ፣ ኢኮቴ፣ ናይ ድሕንነትን ምክልኻልን፣ ሐምላዊ ፅዓት፣ ጠፈርን ህዋን ኢንዱስትሪ ወዘተ አብ ፅንዓት ብዝተመሰረተ መንገዲ ዝነጥፉ እዮም ክኾኑ ዝኸእሉ።
- ናይ ገድልና (ወያነ) ባህሪያት ምዕቃብን ምስፋሕን
ብዛዕባ ሕሉፍ ቃልስና ብፅሞና ክንምርምሮ እንከለና ዓወት ሚስጥራትና ዝኾኑ ነዚ ናይ ሐዚ ወለዶ ይኹን ቀፀልቲ ወለዶታት ዝጠቅሙን ብጊዜ ዘይሃሱን ወያናይ ባህሪያት አለውና። እዞም ባህሪያት እዚኦም ናይቲ ዝሐለፈ ዓወት ሚስጥራት ጥራሕ እነተይኮኑስ ዝኾነ ይኹን ምትዕርራይ እንተይተገበረሎም ከምዘለውዎ ክውረሱ ዝግባእን ከም ልዑላት ሃፍትና ተኾሊዖም ንኸወፁ ክንሰርሐሎም ከምዝግባእ ክንሐስብ አለና። ወያነና ብባህሪኡ ምስቲ ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ዝሐቶም ባህሪያት ዝተአሳሰረ ኮይኑ እውን ንረኸቦ። እዞም ወያነና ንኸዕወት ወሳኒ ተራ ዝተፃወቱ ባህሪያት (Values) ዘርዚርካ ንምቅማጥ ዓርሱ ዝኸአለ መፅሐፍ ዝሐትት ኾይኑ አብዚ ክረአዩ ዝግባእ ባህሪያት እቶም ምስቲ ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ምልማዕ ፃዕሪ ዝጠልቦም ባህሪያት ዝተአሳሰሩ እዞም ዝስዕቡ እዮም:-
- ህዝባዊ ዕላማ
- አብ ፍልጠት ዝምስረት አካይዳ
- ዘየቋርፅ ተምሃራይነትን ሐድሽ ነገር ምምሃርን
- ንጌጋ ዘይምፍራሕን ካብ ጌጋኻ ብዝለዓለ ምምሃርን
- ንዝአመንካሉ መስዋእቲ ምኸፋልን ፅንዓትን
- ሐልዮት፣ ምርድዳእን ብፃይነትን
- ውድባዊ ሐይሊ ንለውጢ ምጥቃም
- መቐይሮ ለውጢ ምምፃእ
- ኩለመድያዊ ቃልሲን ሰፊሕ አመለኻኸታን ምሐዝ
- ዕላማ ዘዐውት መሃዛይነትን
- Informality
- አብ መንጎ መራሕን ተመራሕን ቀጥታዊ ርክብን ሐፂር ሰንሰለትን
እዚኦምን እቶም ዘይተዘርዘሩን ናይ ወያነ ባህሪያትን ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ንምዕምባብ አብ ዝካየድ ቃልሲውን ዝጠለቡ ባህሪያት ምኻኖም ሳይነሳዊ ፅንዓታት ዘረጋገፅዎ ሐቂ ጥራሕ እንተይኮነስ ዓለምና ቀፃሊ ህልውንአ ንምርግጋፅ እውን እትብህጎም ባህሪያት (Values) እዮም። ስለዚ እውን ትግራይ አብ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ተወዳዳራይ ብቅዓት ክትሃንፅ እትክእል ብሐደ ገፅ ነዞም ብጊዜ ዘይበልዩ ናይ ወያነ ትውፊታት ምልላይ፣ አፅፊፍካ ምውዳብን ዓለም ብተሞክሮ ክምሃረሎም ምግባርን ብኻሊእ ገፅ ድማ አብ ኩሎም ፅላታት ናይ እንገብሮ ናይ ለውጢ ምንቅስቃስ ብፍላይ ድማ ናይ ፍልጠት ኢንዱስትሪ ንምህናፅ ጭቡጥ ዓቅሚ ኮይኖም ከገልግሉ ምግባር መማረፂ ዘይብሉ ተግባር እዩ። ካብቲ ሕሉፍ ቃልሲ ብዝተፈለየ ድማ እዞም ባህሪያት ናብ ጭቡጥ ሃፍቲ ክሸጋገሩን ክሸየጡን አብ ዕዳጋ ዋጋ ከውፅኡን ብዝገብር መንገዲ አብ ስራሕ ክውዕሉ ምግባር ከድሊ እዩ።