ሓደ ማሕበረሰብ ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ማዕቢሉ ክበሃል ዝኽእል እቲ ዝማዕበለ ቴክኖሎጂ ምስ ባህሉን ማዓልታዊ ናበርኢን እትጠዓዓም እንከሎ እዮ፡፡ ምስ ማዓልታዊ ውዕሎ ናይ ነብሲወከፍ ዜጋን ብጥቕሉል ድማ ምስ ማሕበረሰብ ዘይተጠዓዓም ቴክኖሎጂ ሽኩም () እምበር ፀጋ ክኽውን አይኽእልን፡፡
አበ ዓለምና ደርጋ ኩለን ዝማዕበላ ሃገራትን ዝምዕበላ ዘለዋ ሃገራትን ካብቲ ቀዳምነት ሂበን ዝስርሓሉ ቴክኖሎጂ በቋንቋአን ምምሃርን እዚ ዝፈጥሮ ድማ ብቐሊሉ ንቴክኖሎጂ ዝቐርበን ንባዕሉ ዘውሃሃደን ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ምፍጣርን እዮ፡፡
ኩለን እተን ዝማዕበላ ሃገራት አውሮፓ ይኹና አበዚ ቐርባ እዋን ዝዕብላ ዘለዋ ሀገራት ርሑቕ ምስራቕ ካብ ህንዲ ውፃእ ሰብን ነቲ ቴክኖሎጂ ብዘድልየን መጠን ምስ ባህለንን ቋንቋአንን ኣጠዓዒመን እየን ናብ ህዝበን አተአታትየንኦ፡፡
ምምዕባ ቴክኖሎጂ አብ ሃገርና ውፅኢታዊ ክኽውን ዝኽእል አቲ እንፈጥሮ ይኹን እልቕሐ ቴክኖሎጂ ነቲ ናይ ህዝብና መሰረታዊ አነባብራ ዝመስልን ንዕኡ ዞመሓይሽን ክኽውን አለዎ፡፡ እዚ ማለት ማሕበራዊ ምትእስሳርን፣ ባዓላትና፣ ሃይማኖተዊ ክብርታትና ፀጋታትናን፣ ምትእስሳር ተፈጥሮአዊ አቀማምጣ መሬትናን ህዝብናን ዝመሰል ክኽውን አለዎ፡፡
ነዘም አበላዕላይ ዝተገለፁ ዝመስል ቴክኖሎጂ ድማ እንትንልቅሖ ይኹን እንተነማዕብሎ እንተለና ብቋንቋና ክኽውን አለዎ፡፡ እቲ ቐንዲ ዕማም ምዕባለ ቴክኖሎጂ ምስ ናብርኡን ባህሉን ብዝተዋደደ መገዲ ናራ ናይ ህዝቢ ብዘቓልል ዝተአታተው አተሓሳሰባ አጠቓቕማናወቲን አብ ግምት ዘእተወ እዮ፡፡ ስለዝኾነ እቲ ዝፍጠር አተሓሳስባ ኮነ እቲ ዝፈሪ ናውቲ ንህዝቢ ትግራይ ዘገልግልን ትግራዋይ ዝመስልን ክኽውን አለዎ ማለት እዮ፡፡
በዚ መገዲ ዝተዋደደን ዝማዕበለን ቴክኖሎጂ ብዘየቋርፅ ናብ ናይ ምዕባለ ምህዋር ስለዝአቱ ዕብየቱ ቕልጡፍን ቐፃሊን እዮ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝማዕበለ ቴክኖሎጂ ፈጣሪን ተጠቓሚን ክኽውን እንተደሊና እቲ መሰረታዊ ትምህርቲን ላዕላዋይ ናይ ምርምርን ስርፁትን አተሓሳስባ ዝቐርፃ ኮሌጃትን ዮኒቨርሲቲታትናን እንተይተረፋ ብትግርኛ ከምህራ ክኽእላ አለዎ፡፡
እዚ ማለት ተገሩ ትምህርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምስ ባህሎ ምን አናብርኦምን እናገናዘቡን ብቐሊሉን ስለዘመሃረዎ ክብንዝበለ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ናይ ምርዳእ ዓቕምም ብቕሊሉ ይዓቢን ብቐሊሉ ይውሃሃዶምን፡፡ በዚ መሰረት ድማ ብዛዕባ ምፍጣርን ቴክኖሎጂ ምዕባይን እንትሓሰቡ እንተለው ምስ ዘለዋም ፀጋታት ዝተዋደደን ንዘጋጥምም ኩሉ መደያዊ ፀጋማት ፍታሕ ብዝህብ መገዲን ንክሓሰቡ ስለዝገብር ቐፃሊነት ዘለዎ ሕቶታትን ዘየቋርፅ ምዕባን ብዘረጋገፀ መንገደ ምስ ቴክኖሎጂ ከዋሃዱ ይገበርረም ማለት እዮ፡፡
ምስ ቴክኖሎጂ ዝተዋሃደ ማሕበረሰብ ድማ ልክዕ ከምቶም ዝማዕበሉ ሃገራት ካብ ባዕልቶም ሓሊፎም ናይ ወዲሰበ ወለባት ዝርድኡን ንፀገማቶም መፍትሒ ዝህቡን ናይ ቴክኖሎጂ ፈጠርቲ ይኸኑ ማለት እዮ፡፡
ቋንቋና ብፍላይ ድማ ንምርምርን ስርፀትን ከኽውን ምእንቲ ናይ ቋንቋ ሙሁራትን ክኢላታትን ደረጃ (standard) ከውፅኡሉን ንቴክኖሎጂ ምችኡ ክኸውን ክገብሩዎ ይግባእ.
ቋንቋ ትግርኛ ዝመሰረቱ ስርዓተ ትምህርቲ ንህንፀት ምዕቡል ትክኖሎጂ
ብዝሕ ዝበለ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ መፍረያይነትን ስምዒት ሃገራዊ ሓላፍናትን ምህናፅ ዝጅምራ ኣብ ዐድመ ናይ ደቆም ወይን ድማ ኣብ ዕድመ መውዓሊ ህፃውነቲ እዮ፡፡ ሓደ ንኡስ ውላድ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ተባሂሎም ኣብዝፍለጡ ከም መውዓሊ ህፃውንቲ ዝዓይነቶምን ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምርትታትን እንዳሃለው ካብ ስድርኡን ከባቢኡን ምፍላጥ ብተወሳኺ ብርክት ምስ ዝበሉ መፃወቲ ብዝመስሉ ነገር ግን ንቐፃሊ ንመፍረያይነት ኣንፈት ብዝህቡ መባእታዊ ፃውቲ መሰል ናይ ፈጠራ ኣንፈታት ምኽታል እዮ፡፡ እዚ ብህፃኑ ካብ ዝወዳደቑን ካብ ዝቕረቡሉን ነገራት መፃወቲ ምስራሕ ከምዝካኣል እናተነገሮን እንደረኣየን ዝዓቢ ቖልዓ ምስ ዓበየ ዓቕሙ (talent) ናይ ምርክብ ፀገም ኣየጋጥሞን፡፡
ስለዝኾነ ኣብ መባእታ ትምህርቲ ዘዘና ፖሊሲ ብዕሙቶት ክፍተሸን ዓብይ ምምሕያሽን ጠመተን ክግበረሉ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡
ብተወሳኺ ምስቲ ኣብዕላይ ዝግለፅኩዎ ዝህልውና ናይ ማሕበረሰብ ስብጥር (demography) መሰረት ተጌሩ ኣብ ክንደይ ጊዜ ክንደየናይ ዝኣከል ሓይሊ ሰብና ናይ መባኣታ፣ ቀዳማይ፣ ካልኣይን ላዕለዋይን ትምርቲ ይደሊ ክንዲየናይ ዝኣክል ዝስልጥን ሓይሊ መንእሰይ ይህልውና ዝብል ቅድመ ትንታነ (predict) ብምግባር ኣቐዲሞና ናይ ምእማትን ፕላን ናይ ምውፃእን ዓቕምና ክውስኽ ምግባር እዮ፡፡ እዚ ዓቕሚ ክህልወና እንተኾይኑ ብማ መረዳእታ ዜጋታት ናይ ምእካብ ዓቕምና ምዕባይ ዘኽእል ዲጂታል ማሕበረሰብ ክፈጥር ዘኽእል ፈኖት (ሰትራተጂ) ክህልወና ይግባእ፡፡ ብኻሊእ አበሃህላ ዜጋ ምፍላጥ ዝዕላምኡ ናይ ዲጂታል ምዝገባን መረጋእታ ማእኸልን ክንውንን ይግባኣና ማለት እዩ፡፡
ብተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲና ኣብ ግምት እንተዘእትዎ ኢለ ዝሓስቦን ንዕብየትን ሽግባርን ዓብይ ሓገዝ ኣለዎ ኢለ ዝግምቶን ኣጠቓቕማ ቋንቋና (medium of education) ክሳብ ብክልል ደረጃ ዝጣየሹ ዓበይቲ ናይ ላዕለወት ትካላት (ናይ ፌዲራል ገዲፈ) ብትግርኛ ቋንቋ ከምህራ ብዝኽእላሉ ደረጃ ስርዓት ትምህርትና (carculem) ክቕረፀለን ክልልና እንተዝደፍእ ዓብይ ናይ ቴክኖሎጂ ምትእትታውን ምበልፃግን ዓቕሚ ምፍጣር ይከኣል እዮ፡፡
እዚ ንምግባር ዝሕግዙ፡-
ሀ. ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ (standard) እንተዝወፆ
ለ. ኣብ ቴክኖሎጂ ትኹረት ዝገበር ሰፊሕ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ቀረፃ ምግባር እንተዝከኣል
ሐ. ብርክት ብዝበለ ደረጃ ናይ መፃሕፈቲን ካልኣት እታዎታትን (resources) ምትርጓምን ምድላውን እንተዝግበር
መ. ቋንቋ ትግርኛ ንቴክኖሎጂ እቲ ካብቶም ዝምረፁ ስርዓተ ፊደላትት ዘለውዎም ሓደ ምኳኑ ተገንዚብና ዕሙቆት ዘለዎ ፅንዓት እንተዝግበርን፣ ፊደል ትግርኛ ንመፃኢ ቴክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ንድምፂ ትእዛዝን (voice command) ዝቐረበ ብምኳኑ መፃሕፍቲ ናብ ድምፀ-መፅሓፍ (audio book) ድምፂ ተጠቒምካ ምፅሓፍን (audio to text) ኮምኡውን ብድምፂ ትእዛዝ ናብ ዝሰርሑ ብርክት ዝበሉ መጥቀሚታት (software applications) ምውዓል ስለዝከኣል ቋንቋናን ፊደላትናን ናይ ቴክኖሎጂ ዓብይ እታዎት ምግባር ይከኣል እዩ፡፡
እቲ ህልውዊ እንግሊዝኛ ከም መጥቀሚ ቋንቋ ዝወስድ ናይ ካልኣይ ደረጃን ላዕለወት ትካላትን ስርዓተ ትምህርቲ ዘለውዎ ጉድለታት ብጣዕሚ ርኡይ ዋላ እንተኾነ ዕሙቆት ዘለዎ ፅንዓት ብምግባር ኣብ መፍትሒታቱ ድማ ጎኒ ንጎኒ እቲ ምቕራፅ ትግርኛ ዝመሰረቱ ስርዓት ትምህርቲ መማሓየሺታት እንዳተገበረሉ እንተዝቕፅል፡፡
ብመሰረት ዕብየትን ምህናፅ ዓቕሚ ሰብን እተርኢናዮ ሓደ ቆልዓ ክሳብ ምውዳእ ቅዳማይ ባርኪ ብትግርኛ እናተምሃረ ከባቢኡ ብናይ ኣዶ ቋንቋ እንዳፈለጠን ምስፀንሐን ሃንደበት ናብ 2ይ በርኪ ኣትዮን እቲ ዝመሃሮ ሳይንስ ዕምቆት ካብ ምውሳኹ ብተወሳኺ ቋንቋ እንግሊዝኛ ከም ብሓዱሽ ክመሃር ምግባር ነተን ብውስኑነት ዘለዋና ሃፍቲ (resources) ብቋንቋኡ ኣምሂርና ብቐጥታ ናብ መፍረያይነትን ናይ ቴክኖሎጂ ተጠቃምነትን ብዕሙቐት ናብ ምፍላጥን ክነዕብዮ ዝግበኣና ዝነበረ ርእሲ ናብ ዘይጥሉልነትን (confusion) ናብ ጭንቀትን ብምእታው ክነባኽኖ ንግደድ ኣለና፡፡
ናይ ርሑቕ ምብራቕ ዓድታት እንተርኢናየን ንኣብት ከም እኒ ኮርያ፣ ጃፓን፣ ቻይና ዝኣመሰላ ዓድታት ቋንቋእን ናይ ቴክኖሎጂ ቋንቋ ብምግባር ብቑልጡፍ እንትዓብያ ህንፀት ምዕባለን ዲሞክራሲን ቀዲማተን ዝጀመረት ህንዲ ብባእዲ ቋንቋ እንዳተጠቐመት ክንድቲ እን ኮርያን ቻይናን ዝዓበያሉ ፍጥነት ክትዓቢ ኣይከኣሊትን፡፡
ኣብ ከም ኢትዮጲያ ዝብለት በዙሕነት ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት እቲ ሓደ ዕንቅፋታ ተባሂሉ ክረኣ ዝኽእል ነቲ ዘሎ በዝሑነተ ክተኣናገድ ክበሃል ብቕልጡፍ ክዓቢ ዝኽእል ናይ ሕበረተሰብ ክፍል ንድሕሪት ምጉታት እዮ፡፡ ብናህተይ እምነት እዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ተፅዕኖ ከየጋጥሞ ተባሂሉ ዝግበር ናይ ኣብ ወለዶ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ዕብየት ዓቕሚ ምጉታት ውፅኢቱ ናብ ኣብ ድኽነት ኣዙሪት ናይ ምፅናሕን ኢልና ድማ ሃገር ናይ ምፍራስ ሓደጋ እዮ ዘስዕብ፡፡ ስለዝኾነ ተዛማዲ ሕገመንግስዊ መሰል ተጠቒምካ ብቕልጡፍ እተዓብየሉ ስርዓተ ትምህርቲ እንትገደደ መሳ መሳ ዝኸድ (parallel eduction system) እንተዝፍተን ዝሓሸ እዮ፡፡ በኣህጉር ደረጃ፣ ብሃገር ደረጃን ንዘጋጥሙ ናይ ዕዳጋን ናይ ምርድዳእን (commucication) ሕፅረታት ንምፍታሕ ጥንከር ዝበላ ናይ እግሊዝኛን ናይ ኣምሓርኛን ትምህርቲ ከም ሳብጀክት ምምሃር ኣገዳሲ እዮ ዝበል እምነት ኣለኒ፡፡
ካሊእ ካብ ስርዓተ ትምህርትና ብዓብይኡ ክሕሰበሉ ዝግባእ መሰረታዊ ናይ ግብርና፣ ቴክኒክ፣ ስነምግባርን ስርዓትን ከምኡ እውን ፈጠራ ስራሕቲን ዝምልከት ኣንፈት ትምህርቲ ካብ መባእታ ጀሚሩ ምስ እቲ ዝዓቢ ወለደ ሓቢሩ ዝዓብየሉን ምትእስሳር ካባቢን ተምሃራይን ፣ ሕብረተሰብ ተምሃራይን ኣብ ግምት ዘእተወ ስርዓተ ትምህርቲን ምሕደርኡን ቀሪፀካ ኣብ ጥቅሚ ምውዓል እዮ፡፡ ነዚ ሓገዝቲ ክኾና ዝኾእላ ናይ ልህቀት መእኽላት (center of excellences) ክበዝሓን ብዝርካበን እንተልየን ዓቕሚ ንክፈጥራ ምሕጋዘን ኣገዳሲ እዮ፡፡
ዋና ዕላማ ናይ ምምሕያሽ ስርዓት ትህርትና ካብ ድኽነት ቀልጢፍና ክንወፀሉ ዘኽእለናን ህዝብና ብቐሊሉ ናይ ቴክኖሎጂ ተጠቃሚን ፈጣሪን ክኽውን ብዘኽእል መገዲ ንምንዳይ ክኽውን ኣለዎ፡፡ ስለዝኾነ ኩሉ መዐቀኒ ካብ ጥቕሚ ህዝቢ ትግራይን፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ወፂኡ ብሃገር ደረጃ ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ ኣብ ፍልጠትን ዕብየት ኢኮኖሚን መሰረት ዝግበረ ከኽውን ምግባርን እዮ፡፡