“The Cave You fear to enter holds the treasure you seek”
“ክትኣትዮያ ዝፈራሕካዮ ባዓቲስ ትምነዮ ኣኸዛ ትረኽበሉ” ጆሴፍ ካምፕቤል
- ኣይከምሹሙን፡፡ ንሰብ ሰብ ዝገብሮ ንሱ እዩ፡፡ ካብ ካልኦት እንስሳታት ሰብ ዝተፈለየ ሳሉኡ እዩ፡፡ ንሱ ተዘይነብር ወዲሰብ’ውን ብዕራይ ኮይኑ ምተረፈ፡፡ ወዲሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ምፍላይ ዝጀመረ ምስ እምኒ ብዝተተሓሓዘ ምህዞ እዩ፡፡ ወዲሰብ ፈለማ ምንጭልሊሒት ሰሪሑ ሃደንን ካልኦት ንጥፈታትን ምፍፃም ጀሚሩ፡፡ ርእሱ ወይ ከዓ አእምርኡ ከስርሖ ጀሚሩ፡፡ ዝተፈላለዩ ምህዞታት ብምጥቃም ድማ ናውቲታት ከማዕብል ምስጀመረ ንተፈጥሮ እናተፈታተና ምምፅኡ ታሪኽ ይሕብር፡፡ ስለዚ እምኒን ወዲሰብን ነዊሕ ታሪኽን ዛንታን ዘለዎምን ዝነበሮምን ምዃኖም ይፍለጥ፡፡
ኣብ ዓለምና ምስ እምኒ ዝተኣሳሰረ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎም ሃገራትን ህዝቢታትን ድማ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም፡፡ እዞም ምስ እምኒን ኮኽሕን ዝተዛመደ ታሪኽ ዘለዎም ከባቢታት እንተሪኢና ሎሚ ብልምዓት ተሓምቢቦም ኣብ ጠርዚ ምዕባለ ይርከቡ፡፡ ካብ’ዞም ከምዚኦም ዝአምሰለ ታሪክ ዝነበሮም ህዝቢ ንድሕሪት ዝተረፈን ፀጋ ተተርኢሱ ኣብ ድኽነት ዝነብር ብሕታዊ ህዝቢ ግና ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡
ትግራይ ኩሉ ዓይነት ኮኽሕታት (Rocks )ዝርከበላ ከባቢ ዓለም እያ፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ዝተፈጠረ ዓይነታት ኮኽሒ ኩሎም ኣብ ትግራይ ይርከቡ፡፡ ብበዝሒን ብዓይነትን፡፡ መብዛሕቲኦም መዓድናት ኣብ ውሽጦም ኣለዉ፡፡ ካብ ኣዝዮም ክቡራት ኣእማን /መዓድናት/ክሳብ ደቂቅ ሑፃ ተተርኢስናዮም ንርከብ፡፡ ካብ ኣልውሃ ክሳብ ጠረፍ ሱዳን እምኒ ዘይርከባ ቦታ ዳርጋ የላን፡፡ ኩሎም ዓይነት ኮኽሕታት መኣከቢ ኣዳራሾም ትግራይ እዩ እንተተባህለ ብዙሕ ዝተጋነነ ኣይኾነን፡፡
- እምኒ እንታይ እዩ
እምኒ ወይ ከዓ ኮኽሒ ረብሕኡ ብዙሕ እዩ፡፡ እምነበረድን ግራናይትን ዘኣምሰሉ አእማን ንወሳናይ መልክዑ ንኮንስትራክሽን ዘፈር ዝጠቕሙ ከምዝኾኑ ይፍለጥ፡፡ ማርብልን ግራናይትን ኣዝዮም ዝማዕበሉ ሃፋትም ሃገራት ዝጥቀሙሎም አእማን ምዃኖም ምግንዛብ የድሊ፡፡ ድኻታት ዓድታትን ህዝብታትን ግና ዋላ ዝብህግዎም እንተኾኑ እናተመነይዎም ሰኣን ቅርሺ ብርሑቕ ክርኢዎም ይግደዱ፡፡
ወለድታት ተጋሩ ብእምኒን ኣብ ርእሲ እምኒን ምሒር ስልጣነ ካብ ዘርኣዩ ህዝብታት ዓለም ፈላሞት ነበሩ፡፡ እምኒ ንመስርሒ ኣባይቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሓወልቲታት፣ መቓብራትን ካልኦት መስደመምቲ ነገራት’ውን ተጠቒሞምሎም ሓሊፎም እዮም፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉውን ወለድና ንእምኒ ብፍላይ ንእምኒ ዓረ /ግራናይት/ ታሪኽ ክፀሓፈሎም ጌሮም ነይሮም፡፡
ዳኣማታውያን ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ግራናይትን ማርብልን ኣብቲ እዋን ዝነበረ መስተንክራዊ ታሪኾም ወቒሮም ገዲፎምልና እዮም፡፡ ኣብ ተኾንዳዕ፣ መጠራ፣ ኣዱሊስ፣ የሓ፣ ውቕሮ፣ ኣፅቢ ወዘተ.. ሓድጊታቶም ከምዝተረኸቡ ይፍለጥ፡፡
ቀፂሉ’ውን ኣክሱማውያን ንዓለም ክሳብ ሕዚ ዘስደመመን ናይ ጂኦሜትራዊን ፊዚክስን ፍልጠቶም ኣብቲ እዋን ጠርዚ በፂሑ ከምዝነበረን ዘረድእ ሓድጊታት ኣብ እምኒ ገዲፎምልና እዮም፡፡
ዋላ ከም’ቲ ናይ ኣኽሱማውያን ኣይኹንምበር ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም ተጋሩ ኮኽሕታት ብምንዳል ይኹን ብምቕራፅ ኣብያተ ክርስትያን ብምስራሕ እቲ ጥበብ ከላልዩዎ ኪኢሎም እዮም፡፡ እዚ ሰለይ እናበለ ዝመፀን መሊኡ ዘይጠፍአን ጥበብ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣብ ስራሕቲ ኣባይቲ /ገዛውቲ/’ውን እናተርአየ ቐፀለ፡፡ ብፍላይ እምነበረድ እናተጠቀምካ ገዛውትኻ ምዕያይን ምንዳቕን ካብ ውሉድ ወለዶ እናተሳለየ እዚ ፀልማት ግዘ ተጋሩ ሓሊፉ ናብዚ ዘለናዮ ግዘ ተሳጊሩ፡፡
ካልኦት ኣብ ትሕቲ እምኒ ዝርከቡ ዝኸበሩ ማዕድናት ገዲፍና ግራናይትን ማርብልን ጥራሕ ወሲድና ፀጋ ተጋሩን ታሪኽ ተጋሩን እንተሪኢና እቲ ጉዳይ መስደመም እዩ ዝኸውን፡፡
ትግራይ በብዝሒን ዓይነትነትን እምነበረድን ግራናይትን ካብ ዓለም ካብቶም ብቐዳምነት ትስራዕ ከባቢ እያ፡፡ ካልኦት ከባቢታት ዓለም ኣብ ርእሲ ግራናይትን እምነበረድን ዝሰልጡኑ ካብ ካልእ ከባቢታት ዓለም እቶም ጥረ ኣቅሓ /ግራናይትን ማርብልን/ እናምፅኡ እዮም፡፡ ናይ ገሊኦም ሃገራት ኩነታት እንተሪኢና ድማ እምነበረዶምን ግራናይቶምን እናተልኣመ/እንዳተወደኣ/ እዩ፡፡
ንሕና ተጋሩ ግና ምስ ግራናይትን እምነበረድን ዘለና ፍልጦ ነዊሕ ዘበናት ዘቁፀረ እዩ፡፡ ስልጣነናን ምልክናን ካብ ኮንስትራክሽን ሓሊፉስ ታሪኽን ፊደላትና’ውን ፅሒፍናሉ ኢና፡፡ ታሪኽ እምነበረድን ግራናይትን ካብ ታሪኽ ታጋሩ ክፍለ ኣይኽእልን፡፡ እታ ኣብ’ዚ ዓውዲ እዚ ነዊሕን ዝሓሸ ስልጣነን ዘለዋ ትበሃል ጣልያን እኳ ክንድ ናይ ተጋሩ ዝነውሐን ዝዓዘዘን ታሪኽ የብላን፡፡
- እምኒ ንምንታይ ይጠቅም?
ግራናይትን ማርብልን ካብ ኮንስትራክሽን ብዝዘለለ ካልኦት ረብሓታት’ውን ኣለዎ እዩ፡፡ ካብዞም ምስ ኮንስትራክሽንን ብተወሳኺ ምስ ኬሚካልን ሕርሻ ዘፈራትን ዘለዎ ረብሓ ብዉሑዱ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡፡ እምኒ ዝድብረ ነገር የብሉን፡፡
- ንኮንስትራክሽን /Construction/
- ስነ-ህንፃን ውሽጣዊ ፅባቐን /Architecture and interior design/
- ስክላፕቸርን ፅባቐን /Sculpture and decorative stones/
- ዓርሰ ምትዕርራይ ፕሮጀክት /Dait-yourself projects eg. Titles and mosaic/
- /Agriculture (marble powder)/
- ንቀለም ፋብሪካ/Paint and coating (marble powder)/
- ንቾክ /Lime and chalk(marble powder)/
- ንቀለብ እንስሳ animal feed (marble powder)
- ኣርተፊሻል እምኒ (Artificial Stone Production/marble and granite powder and shredded stones) ወዘተ.
- መሓከሚ ሓመድ (ኖራ ንሕርሻዊ ሓመድ መሕወዬ)
እዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ረብሓ ዘለዎ እምኒ /ግራናይትን ማርብልን ንዓመታት ኣብ ረብሓ ከይወዓልና ዓይንዓይኑ እናጠመትናዮ ንነብር ኣለና፡፡ ገለገሊና’ውን እዚ ፀጋ እዚ ኣብ ክንዲ ናብ ረብሓ ነውዕሎ ፈጣሪ ከምዝረገመና ብምቑፃር መፋጥርትና ዝኾነት ትግራይ እናረገምና ንነብር፡፡ እግዝአብሄር (ፈጣሪ) ዘዓደለና ኣኸዛ ምዃኑ ረሲዕናስ ከም መርገም ንቖፅሮ፡፡ ምስ ዘይመባእስትና ፈጣሪ ንባኣስ ተጋሩ፡፡
- ዕዳጋ እምኒ
እምኒ (ማርብል ግራናይት) ጥራሕ ኣብ ዓለም ልዕሊ ዓስርተ ቢሊዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር /$ 10 Billion/ በቢዓመቱ ናይ ዕዳጋ ልውውጥ ዝግበረሉ ሃልኪ እዩ፡፡ ኣብዚ ዕዳጋ እዚ ዝዋስኣ ሃገራት ዓለም ድማ ቻይና፣ ጣልያን፣ ቱርኪ፣ ህንዲ/ ብራዚል፣ ስፔይን፣ ግሪክ፣ ግብፂ፣ ፖርቹጋልን ጀርመን እየን፡፡
ከም ኮርያ፣ ጃፓን፣ ቬትናም፣ ሑቡራት ዓረብ ኢመሬትስ፣ ሳውዲዓረቢ፣ ሊባኖስ፣ ማሌዥያ፣ ፓኪስታን ኣሜሪካ ድማ ገሊኦን ብምግዛእ ገሊአን ድማ ብምሻጥ እምኒ ኣብዕዳጋ ይረኣያ፡፡
ሎሚሎሚ ኣብዚ ዕዳጋ እዚ ገዚፍ ዓርሞ ዘለዎን ከም በዓል ቻይና ዘኣምሰላ ሃገራት ኮይነን እየን፡፡ ቻይና ገዚፍ ኮንስትራክሽን ዝካየዳላ ከባቢ ምስቲ ምዃናን ሃፍታማት እናተፈጠሩላ ዘላ ከባቢ ምስቲ ምዃናን ባዕላ ዘፍረየቶ ይኹን ካብ ካልኦት ሃገራት እትሸምቶ እምኒ ካብ ዓመት ዓመት እናወስኸ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ውዕውዕ ዕዳጋ እምኒ እንካሃባ ኣበይ ኣሎ እንተተብሃለ ዳርጋ ቻይና እዩ ከባሃል ይካኣል፡፡ ዕደጋ ቻይና እምኒ ቻይና ዋላ ብጥርኡ ብብሎክ’ውን ትርከብ ኢኻ፡፡ ዘይተመዓራረየ ጥረ እምኒ ዋና ዕዳግኡ ቻይና እዩ፡፡ ቻይናውያን እሴት ወሲኾም ይሸጥዎ፡፡ ካብኡ ዝተረፈ ሑሩፅ’ውን ንሕርሻን ንኬሚካል ኢንዱስትሪን የውዕልዎ፡፡
ጣልያን ደርጋ ምስ እምኒ ካብቶም ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ህዝቢ እዩም፡፡ ኣብ እምነበረድን ግራናይትን ስልጡናት እዩም፡፡ ናይቲ ዘፈር ምልክት’ውን ኾይኖም ንዘመናት ዘሊቆም እዮም፡፡ ፅፈት ዘለዎ እምኒ መዐቂኒኡ ናይ ጥልያን ኾይኑ ከምዝፀነሐ ይፈለጥ፡፡ ስለዚ ባዕሎም እናፍረዩን ካብ ካልኦት ጥረ ብሎካት እናምፅኡን ዕዳጋ ዓለም ንነዊሕ ግዘ ተቆፃፂሮምዎ ፅኒሖም እዮም፡፡ ቱርክን ኣሜሪካን’ ወላ ዳርጋ ክንዲ ጣልያን ኣይኹኑ’ ምበር ብፅሬት ኣይሕመዩን፡፡ ኾይኑ ግና ከም ጥልያን እምኒ ጎጎና’ዩ ኢሎም ኣብኡ ጥራሕ ንነዊሕ ግዜ ኣይተለጠፈን፡፡
4.1 ነቓዕ ዕደጋ እምኒ
ኣብሓደ ከባቢ ምዕባለ እንተሃለዩ ዕዳጋ እምኒ’ውን ሃይሃይታ ይኸውን፡፡ ሎሚ ሎሚ ሃገራት አዕራብ ከተማታቶም የዘምኑ ኣለው፡፡ ሃገራት ኤሽያ’ውን ብቁልጡፍ ይምዕብሉ ኣለው፡፡ ስለዚ ዕዳጋ እምነበረድን ግራናይትን ብኡኡ መጠን እናዓበየ ይርከብ፡፡ እቲ ዕደጋ መሊኡ ዝተመዓራረየ እምነበረድን ግራናይትን /ፕሮሰስድ ዝኾነን/ ከምኡ ኢሉ ብጥሪኡ ምሉእ ዕደጋ እዩ ዘለዎ፡፡
እምነበረድን ግራናይትን ዝስልጠነ ሓይሊ ሰብ፡ ትራንስፖርት፣ ዝሓሸ መፍሓሪን /ኳሪ/ መልመፂን /Polish Material/ ዝጠልብኳ እንተኾነ የመና ዝዘመነ /Sophisticated/ ቴክኖሎጂ ዝጠልብ ዓውዲ ግን ኣይኮነን፡፡ ዋላ እቲ ማርክ ኮይኑ ዝጥቀስን ንኣማኢት ዓመታት ዕዳጋ ዓለም ወኒንዎ ዝፀንሓ ዕዳጋ ጥልያን’ውን እንተኾነ ምስቲ ኣብ ቀረባ አዋን ብዕዳጋ ቻይና እናተመንጠለ ዘሎ ዕደጋ እምኒ ቻይና እንትነፃፅር ብዙሕ ናይ ቴክኖሎጂ ኣፈላላይ አለዎ እዩ ንምባል ኣይከኣልን፡፡ ዕዳጋ እምኒ ናይ ምውዕዋዕ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣፈላላዩ የዐሪዩ ፅቢብ እዩ፡፡
ገለገለ ሃገራት ዕዳጋ እምኒ ኣብ ስለስተ ደረጃ /Level -1/ ዝበሃል ካብ ኳሪ ሳይት ካብ ቦትኡ ብገልዕታት /ብሎካት/ እናውፃእኻ ናብ መራኽብ ምስቃልን ምሻጥን እንትኾን ካብ መፍሓሪ ሓፃዊንን ናውቲን መስንጠቒ ገልዕታትን ወፃኢ እዚ እዩ ዝብሃል ማሽናት ኣየድልን፡፡ ዝስልጠነ ሓይሊ ሰብ’ውን እንተኾነ ብዙሐ ዝተራቐቐ ኣይሓትትን፡፡ ግና ክልተ ፀገማት ኣለዎ፡፡ ሓደ ትሑት ዋጋ እዩ ዘለዎ፡፡ ካልኣይ ድማ ካብቲ ገልዒ ክትረኽቦ ትኽእል ሑሩፅን ተረፈ ምህርትን ኣይትረኽብን ብኡ መጠን ድማ ካልኦት ናይ ኬሚካልን ሕርሻን ዓውዲታት ካብዚ ተጠቀምቲ ኣይኾኑን፡፡
እቲ ካልኣይ ደረጃ / Level -2/ ዝብሃል ድማ ብዝተወሰነ መልክዑ ነቲ ገልዒታት ተማዓራርዩን መልክዕ ተትሐዞን መስርሕ እዩ፡፡ እዚ ደረጃ እዚ ኣዝዩ ምዕቡልን ዝተራቐቐን ፋብሪካ ኣይሓተካን፡፡ ግን ድማ ዝሓሸ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ግን ክሓተካ ይኽእል፡፡ ነቲ ፋብሪካ ዝኽውን ናይ ወፃኢ ሸርፊ’ውን ይሓትት፡፡ ከምኡ ኾይኑ እናሃለወ ግና ዝተወሰነ ተረፈ ምህርቲ ትረኽበሉ፡፡ ኬሚካላዊ ትካላትን ናይ ሕርሻ መደባትን ከተማዕብለሉ ትኽእል ኢኻ፡፡ በቲ ዝሸጥካዬ እምኒ ጌርካ ድማ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ኣታዊ ትረክብ፡፡
ሳልሳይ ደረጃ / Level -3/ ዝብሃል ነቲ ዓቢይ ገልዒ መሉእ ብሙሉእ ፓሊሽ ጌርካ ናይ መወዳእታ ብርኪ ኣብፂሕኻ ናብ ናይ ዓለም ዕደጋ ተቅርበሉ መስርሕ እዩ፡፡ እዚ መስርሕ እዚ ኣዝዩ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ማሽናትን ይጠልበካ፡፡ ነዚ ንምትእታው ድማ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ግድን ይብለካ፡፡ ኣብ ከም ናሃትና ዝበለ ዓዲ ማለት’ውን ኣብ ትግራይ እዚ ነገር እዚ ኣይከኣልን ማለት ግን ኣይኮነን፡፡ ግን ክንገብሮ እንተኾይና መወዳድርትና በዓል ጣልያን፣ ቱርክን፣ ቻይናን ምዃኖም ፊሊጥና ክንኣትዎ ኣለና ንማለት ጥራሕ እዩ፡፡
- እምነበረድን ግራናይትን ሰደድ ገበርቲ ላዕለዎት 10 ሃገራት ዓለም
………..ግራፍ
እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዝርከባ ቀዳሞት ሰደድ ገበርቲ ሃገራት ዓለም ሙሉእ ብሙሉእ ጉዳዩ ዝሃለቐ እምነበረድን ግራናይትን፣ ብዘኽእል ዝተሰርሐን ብገልዑን ዝሰዳ እየን፡፡ ከም በዓል ብራዚል ዝኣምሰላ ሃገራት ናብ ቻይናን ናብ ጥልያንን ገልዒ/ብሎክ/ ግራናይትን እምነበረድን ሰደድ ብምግባር ይጥቀማ፡፡ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ኣታዊ ይረኽባ፡፡ ከም ግብፂ ዘአምሰላ ሃገራት ድማ ብኽፋል ዝተሰረሐ እምነበረድ ሰደድ ይገብራ፡፡
ምስ ምምፃእን ምስፍሕፋሕን ናይ ኤሌትሮኒክስ ዕዳጋ እምኒ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብጣዕሚ ተስፋሕፊሑ እዩ፡፡ ምስዚ ብተወሳኺ ምስፍሕፋሕ ከተማታት ምፍጣር ማእኸላይ እቶት ዘለዎ ሕ/ሰብ ኣብ ኤስያ ተወሳኺ ጠለብ ኣብቲ ዓውዲ ክፍጠር ገይሩ እዩ፡፡
ብሓደ ገፅ ከምበዓል ጥልያን ዝበላ ሃገራት ብፃዕዳ እምነበረድ ዓለም ዝፈልጠንን ናይ እምነበረድ ኣልፋን ኦሜጋን ኮይነን ዝፀንሓ ሃገራት ናይ ባዕለን እምነበረድ ወዲአን ናብ ካልኦት ዓለማት ሃነብነብ ምባል እንትጅምራ ከም ቻይናውያን ዘእምሰሉ ዘበነኛታት ድማ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ካብ 25-30% ዕዳጋ እምኒ ዓለም እንትቆፃፀርዎ አእማን ተተርኢሶምን ተነፂፎምን ንዘበናት ዝፀንሑን ዓዲ እምኒ እናተብሃሉ ዝርገሙ ሃገራት ካብ ምድቃሶም ክበራበሩ ጀመሩ፡፡
ከም በዓል ኢራን፣ ፓኪስታን ዘለዎም አእማን ምጥቃም ጀመራ፡፡ ኣብ ጎረባብቲ ፓኪስታን ዝርከባ ከም ኣፍጋኒስታን ዘኣምሰላ ዓዲእምኒ ድማ ዝተፈለየ ሕብሪ ዘለዎ እምነበረድ ሒዘን ናብ ዕዳጋ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ክቀላቐላን ክበራበራን እንተለዋ ተራእየ፡፡
እቲ ኣዝዩ ዝገርም ነገር ኣፍጋኒስታን ብኹናት ትልለ ዓዲ፣ ተፈጥሮ ዝረገማ ዘይሕኮሩ ነዋሕቲ ገደላትን ኣፃድፋትን ዝወነነት፣ ቆፅሊ ዝበሃል ማይዳ ዝበሃል ዝሓረማ ዓዲ ምንባራ ዓለም ዝፈልጦ ጉዳይ’ዩ፡፡ኣፍጋኒስታን ንወታደራዊ ምንቅስቓስ’ውን ዘይትጥዕም ኣብ መሬት ዘላ ዘይኮነስ ካብ ካሊእ ፕላኔት ዝተደርበየት “ርግምቲ” ዓዲ ተመሲላ ንዓለም ዝቐረበት ሃገር እያ ነይራ፡፡ ከምበዓል ቶራቦራ ዝኣምሰሉ ጎቦታት ዓለም ዝፈልጦምን ንታ ብቴክኖሎጂ ዝተመዘዘት ኣሜሪካ’ውን ዘሸገሩን ኣደዳ “መሸበርቲ” ሓይልታት ዝኾኑን ናይ ምድርና ሲኦላት ምንባሮም እዩ፡፡
ሕዚ ግና ኣፍጋኒስታውያን ጎቦታቶም ወታደራዊ ዕርዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ልምዓት ዕርዲ’ውን ክንገብሮም ኢና ኢሎም ተሲኦም፡፡ ኣፍጋኒስታን “ጠጥዒ ኣልቦ” ገደላገደል ኮኽሒ እያ፡፡ ዋላ ከም’ዚ ትኹን’ምበር እቶም ህዝቢ ናይ ልምዓት ስትራቴጂኦም ከምቲ መብዛሕቲኦም ሃገራት ዓለም ዝሕንፅፁዎ “ገጠርን ገባርን ማእኸል ዝገበረ፣ ኢንዱስትሪ ማእኸል ዝገበረ፣ ቱሪዝም ማእከል ዝገበረ፣ ኣገልግሎት ማእኽል ዝገበረ ወዘተ. ኢሎም ኣይተበገሱን፡፡
እቲ ዝገርም ነገር ናይ ኣፍጋኒስታውያን ናይ ልምዓት ስትራቴጂ ፍልይ ዝበለ እዩ፡፡ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን፡፡ “እምኒ ማእኸል ዝገበረ ልምዓት” እዩ ዝብል ተኣምር፡፡
ኣፍጋኒስታን ብዙሓት መዓድናት ከም ዝርከቦም ይፍለጥ፡፡ መዳቡብታ ዝኾና ሃገራት ብዕዳና ኣይትሕመያን፡፡ ንሳውን ናይ ምርግጋእን ናይ ሰላምን ጉዳይ ደኣኾይኑ’ምበር ነገርሲ እታ ሃገርስ ብመዓድናት ኣይሕመን፡፡ እኳደኣስ ኣቀማምጣ መልክኣምድሪ እታ ሃገር ብጎቦታት ብኣፃድፋትን ዝተመልአ ምስቲ ምዃኑ ንመሰረተልምዓት መፀገሚ እዩ፡፡
ኢኮኖሚ ኣፍጋኒስታን የዐሪዩ ድኹም እዩ፡፡ ኣፍጋኒስታን ዓብይ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ሕፅረት ኣለዋ፡፡ ሃፍቲ እንስሳ ኣፍጋኒስታን ግና ዝሕመ ኣይኮነን፡፡ ብፍላይ ጠለበጊዕ ፍሉጣት እየን፡፡ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ግና ናብዚ ውሑድ ሃፍቲን ልሙድ ኣካይዳ ልምዓትን ሃሰውሰው ኣይበለን፡፡ የግዳስ ተነፃፃሪ ዕድል /Comparative Advantage/ ናብ ዝርከቦን ተዝሒቁ ናብ ዘይላኣም ሃፍቲ ዓዲን መለለይ ኣፍጋኒስታን ናብ ዝኾነ ደንጎላ ሃሰውሰው ምባል ጀመረ፡፡
ብራዚላውያን ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ናብ ቻይና ደንጎላ እናሸጡ እንትጥቀሙ ንሕና ኣፍጋኒስታውያን ኣብ ጥቃ ቻይና ኾይና ንምንታይ ደንጎላና ዘይንሸጥ ክብሉ ሓተቱ፡፡ ብዚ ዓውዲ’ዚ ካብ ካልኦት ዓድታት ብምንታይ ይድሕሩ ብምንታይ ኸይሕሹ መፅናዕቲ ኣካይዱ፡፡ ተስፋ ዝህብ ነገር ድማ ረኸቡ፡፡
ኣፍጋኒስታውያን ካብ 2017 ዓ.ም.ፈ ጀሚሮም ንህዝቦም ኣእሚኖም ደንጎላ ማእኸል ዝገበረ ኢኮኖሚ ሓንፂፆም ይንቐሳቐሱ ኣለዉ፡፡ እቲ ደንጎላ ማእኸል ዝገበረ ኢኮኖሚ ልምዓት ብዋናነት ግራናይትን ማርብልን/እምነበረድን/ ማእኸል ዝገበረ ልምዓት እዩ፡፡
መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ሕብሪ ዘለዎም እምነበረድን ግራናይትን ብገልዑን ውሱን መልክዕ እናተሓዘን ናብ ወፃኢ ሰደድ ብምግባር ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝርከባ ከም ኢራን፣ ፓኪስታን ዝኣምሰላ ዓዲታት እናተወዳደረ ናብ ዕዳጋ ዓለም ይቀላቐል ኣሎ፡፡ ነቓዓት ዕዳጋ ብዝግባእ ተጠቒሞም ሽግራቶም በቢግዚኡ እናተመዓራረዩን እናኣረሙን ከምኡ’ውን መንግስቶም ነቲ ዓውዲ ብግቡእ ጠመተ ስለዝሃቦ ካብቲ ዘፈር ዶላራት /ናይ ወፃኢ ሸርፊ/ ምሕፋስ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡
ደንጎላታት ኣፍጋኒስታን መዳፍዕን ሚሳይላትን ዘጉርዑሉ ዘበን እናብቐዐ ናይ ልምዓት ማለት’ውን ናይ እምነበረድን ግራናይትን ኳሪታት እናኾኑ እዮም፡፡ ናይማን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘበን ተቐይሩ ኣሎ፡፡ ካብ ወታደራዊ ድፋዕ ናብ ልምዓታዊ እምነ ኩርናዕ-ደንጎላ!!ደንጎላ!!
ድጎላ /እምኒ/ ትግራይ ረብሓ ከምዘለዎ ዝተኣመነሉ ሎሚ ኣይኮነን፡፡ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ብዘበን ሓፀይ ሀይለስላሴ ናይ ትግራይ ክ/ሃገር መማሓደሪ ብዝነበሩ ልኡል ራእሲ መንገሻ ስዩም መሪሕነት ብዝተመስረተ …. ኣቢሉ እዩ፡፡ እቶም ልኡል ኣብ ከባቢ መሰቦን ማይ መኽደንን ዝርከብ እምነበረድ /ማርብል/ ምስ ሓደ ጣልያናዊ /ታሪዲቦ ዝተባህለ ውልቀሰብ/ ብምዃን ናብ ረብሓ ክውዕል ጌሮም እዮም፡፡ እምነበረድ ትግራይ ዋላ ንከተማታት ትግራይ ንምድማቅ ኣይተዓደል’ምበር ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ግና ከማዕርጋን ከድምቃን ጀሚሩ ነይሩ እዩ፡፡ ኣብ 1960ታት ዝተሰርሐ ኣብ ሕምብርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ብሄራዊ ትያትር ዝርከብ ተኽሉ ደስታ ህንፃ ብናይ መሰቦን ማይ መኽደንን እምነበረድ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡
ብዘበን ደርጊ ደንጎላታት ትግራይ ዱፋዓት ወተሃደራት ደርጊ ካብ ምዃን ንላዕሊ ዝሃብዎ ረብሓ ኣይነበረን፡፡ ይኹን’ምበር ድሕሪ ውድቀት ደርጊ መንግስቲ ትግራይ ይኹን ተጋሩ ናብ ሃፍቲ እምኒ ብውሱን መልክዐ’ውን እንተኾነ ሃሰስ ምባል ጀመሩ፡፡
ብመሠረት እዚ ድማ ከም ኣብ ትሕቲ ትእምት /ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ/ዝተጣየሸ ሳባ እምነበረድ ኩባንያ ብውሱን መልክዑ’ውን እንተኾነ እምኒታት ትግራይ ኣብ ዕዳጋ ክፋለጥ ጀመረ፡፡ ብዋናነት ድማ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ እምኒ ትግራይ ናይ ምልላይ ስራሕቲ እናካየደ ይርከብ፡፡ ንሳባ እምነበረድ ተኸቲሎም’ውን ብኣፃብዕቲ ዝቁፀሩ ውሑዳት ትካላት ኣብዚ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ምዃኖም ይፍለጥ፡፡
ገጠርን ገባርን ማእኸል ዝገበረ ናይ ልምዓት ስትራቴጂ ዝብል ብቆነና /domestic/ መልክዕ ስለዝተረዳእናዮ እዞም ልዕል ክብል ተመስሪቶም ዘለዉ እምኒ ትግራይ ማእኸል ጌሮም ዝተጣየሹ ትካላት’ውን ናይ ኣጋጣሚ ኾይኑ’ምበር መንግስቲን ውድብንስ ብዙሕ ጠመተ ክህቦም ኣይረኣን፡፡ ሳባ እምነበረድ ናይ ትእምት ትካላት ክዝርዝራ እንተለዋ ካብ ዝፅወዓሉ ዝርሰዓሉ ግዘ ይበዝሕ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሹ ሰማያታ እምነበረድን ዱራንባ’ውን እንተኾነ ካብ ናይ ሚዲያ ምውዕዋዕ ዝዘለለን ውሱን ደገፍን እቲ ክወሃበኦ ዝግባእ ጠመተ ተዋሂቦም እዩ ዝበሃል ኣይኮነን፡፡
መንግስቲ ትግራይ ኣብ እምኒ ዘለዎ አረኣእያ ሓንቲ ቁሸት መዚዝካ ብምርኣይ እቲ መንግስቲ ክሳብ ክንደየናይ ዝተጋገየ ኣካይዳ ከምዘለዎ ምግንዛብ ይከኣል፡፡
ኣብ መንጎ መሰቦን ማይመክደንን (ከባቢመቐለ) ዘሎ ከባቢ ጠጥዒ ኣልቦ ምድሪ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ዋላ ኣብ እዋን ፅቡቕ ክራማት’ውን እቲ ከባቢ ንዘራእቲ ዘብህግ ኣይኮነን፡፡ ነቲ ከባቢ ዝረኣየ ሰብ እቶም ገባራት እንታይ እናበልዑ ናብረኦም ከምዝደፍኡ ካብ ልቡ ይሓስብ፡፡ ገለገሊኡ ለዋህ ድማ መንግስቲ ንገባራት መሬት ኣብ ምክሓስ ካብ ዝደክም መቐለ ናብ’ዚ ገፅ ክትስፍሕፋሕ ብምግባር ናይ ካሕሳ ወፃኢኡ ክቁጥብ ምከኣለ እናበለ ሓውሲ ምኽሪ ይህብ፡፡ ኣብ ሓንጎልና ዘሎ ሕቱም ሃፍቲ “ለምለም መሬትን ልሙዕ ሓመድን” ስለዝኾነ እምኒ ምልክት ድኽነት’ምበር ሃፍቲ መሲሉ ስለዘይረአየና እዩ፡፡
ኮይኑ ግና ናይ ከባቢ ማሕበረሰብ ካብቲ መንግስቲ ሕርሻ ገጠርን ማእኸል ዝገበረ ሕርሻ ዝመርሖ ምዕባለ ወፃኢ ባዕሉ ብዘይ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ናይ ከባቢኡ ሃፍቲ መጀመሪያ ብምልላይ እምኒ ማእኸል ዝገበረ ልምዓት ምኽታል ጀሚሩ፡፡ እምኑ ብጉልበቱ እናፀረበ ንከተማታት ናይ ኮብል ስቶን /ፅሩብ እምኒ/ ከቕርብ ፈቲኑ፡፡ ንከተማታት መስርሒ ገዛ ንወፃኢ ዕዳጋ ዝውዕል ዝነበረ እምነበረድ እናፀረበ ንናይ ውሽጢ ዕዳጋ ከውዕሎ ጀሚሩ፡፡ እቲ ህዝቢ ካብ ካልኦት ከባቢታት ንላዕሊ ናይ ምግቢ ውሕስንኡ ብስድራ ደረጃ ኣረጋጊፁ፡፡ ኣብ ከተማታት መቐለ ድማ ዝሐሸ ኣባይቲ ሰሪሑ ብዓል ዋና እናኾነ ይርከብ፡፡
እዚ ብመንግስቲ ተዝድገፍ ናይ ነበርቲ ማይ መኽደን ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ጀሚሮም ዝነብሩ መሸጣ እምነበረድ ሎሚ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዕዳጋ ወፂኦም ዕዳጋ ዓለም መጥለቅለቁዎ ነይሮም፡፡ ነበርቲ ማይ መኽደን እምነበረድ ብብሎክ ምፍንቃል እንትጅምሩ ቻይናውያን እምነበረድ ታይምዃኑ ኣፍልጦ ኣይበሮምን፡፡
ሎሚ ነበርቲ ……. ማይመኽንን ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዘውፅእዎ ገልዕታት እምነበረድ ከም ሓወልቲ ኣብ ኣፍ ፅርጊያ ገቲሮምዎ ይርከቡ፡፡ እንተ ቻይናውያን ግና ናይ ባዕሎም እምነበረድ ውሒዱዎ ምስ ክልተ ውቅያኖሳት /ህንዲን ኣትላንቲክ ውቅያኖስን) ተሳጊሮም ካብ ሃገረ ብራዚል ገልዕታት /ብሎክ/ እምነበረድ ኣምፂኦም ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብ ምቕራብ ይርከቡ፡፡
- ጓንፉር እምኒ
እምነበረድ እንተይለመፀ (Processed and Polished) ከምኡ ኢሉ … ናይ ቴክኒክ እታወታት ተጠቒምካ ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ’ውን ምቅራብ ይከኣል እዩ፡፡ ከባቢታት እንደርታ፣ ፅራእን ገራዓልታን ገለ ክፋል ዓጋመን መብዛሕኦም ናይ ከተማ ይኹን ናይ ገጠር ናይ ገባራትን ከተማ ገዛውቲ /ኣባይቲ/ ብፅሩብ እምኒ እዮም ዝስርሑ፡፡ ናይ ማእኸላይ ትግራይ ይኹን ናይ ካልእ ከባቢታት’ውን እንተኾነ ከምቲ ናይ እንደርታ ዓይነት ፅሩብ እምኒ ኣይርኸብ እምበር ብግራናይትን ብባዛልት እምንን ገዛዊቲ ገባራት እንትዕየዩ ምርኣይ ዝውቱር እዩ፡፡
ኣብዚ ከምዚ ዝኣምሰለ መስርሕ ገባራት ብዙሕ ጉልበትን ንብረትን ሃፍቲን እዮም ዝባኽኑ፡፡ እቲ ንናይ ደገ ዕዳጋ ክንጥቀመሉ ንኽእል ፅፍፁፍ እምኒ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ብመዶሻታትን መላኪኖን እናወቅዑ ክስንጠቅን ክሰባበርን ስለዝገብርዎ ንምእማኑ ዘፀግም ብኽነት ኣሎ፡፡
ብአእዱግ ይኹን ብመኪና ተፅዒኑ ዝመፀ ገልዕታት አእማን ኣብ ከባቢ ኣባይቲ እንትፅረብን መልክዕ ክሕዝ እንትግበርን ድማ ብኽነት ጉልበትን ሃፍቲን ብኡ ልክዕ ይኸውን፡፡ ገባራት ዝፅመድሉ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ብዘይ ምህላውን ናይ ገባራት ጉልበት ኣዝዩ ርካሽ ስለዝኾነን’ምበር እቲ ኣብ ምፍላፅን ምፅራብን እምኒ ዝፈስስን ዝውዕልን ጉልበት ግና የመና ዓብይ እዩ፡፡
ሎሚ ገባራት ዝሓሸ እቶት ይረኽቡ ስለዘለዉ ቅድሚ ኹሉ መንበሪ ኣባይቶም እንተመሓይሹ ይረአ ኣሎ፡፡ ዘመሓይሽዎ ግን ናይ ከባቢኦም እምኒ ተጠቂሞም ዘይኮነስ ብስሚንቶ ብዝተሰርሐ ብሎኬት ጌሮም እዮም፡፡ ገባራት ኣማራፂ እናሰኣኑ’ምበር ብሎኬት ዝመርፅዎ ኣይኮኑን፡፡
ብፍላይ ብፍላይ ናይ ገጠር መናእሰይ ኣብ ከባቢ ፅርግያን ከተማን ንመጠሻ ተባሂሉ ቦታ ይዕደሎም ኣሎ፡፡ ናይ ገጠር ጣብያታት ናይ ጣብያ መሰረተ ልምዓት ናብ ዘለዎ ከባቢ ይጥርነፋ ኣለዋ፡፡ ኣብ ትግራይ ከተማነትን ናይ ከተማ ምስፍሕፋሕን ብቁልጡፍ ይዓቢ ኣሎ፡፡ ኣብ ቀፃሊ ሓሙሽተ ዓሰርተ ዓመታት ድማ 50% ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከተማን ሓውሲ ከተማን ክሰፍር ከምዝኽእል እቲ ከይዲ የርኢየና ኣሎ፡፡
እዚ ማለት ድማ ንገዛ መስርሒ ዝኸውን ኣብ ገጠርን ከተማታት ትግራይን ዕዳጋ እምኒ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ መንግስቲ ይኹን ውልቀሰብ ሃፍቲ ድማ ኣብ ቐፃሊ ዓመታት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ክሳተፉ እዮም፡፡ ስለዚ ነዚ’ውን እምኒን ናይ እምኒ ውፅኢትን የድሊ፡፡ ኣብ ከተማታት ናይ ኮብል ስቶን ስራሕ ክበዝሕ እዩ፡፡ ዋላ እተን ናይ ወረዳን ናይ ጣብያ ከተማታት’ውን ብኮብል ስቶን ክምዕርጋ እየን፡፡
ስለዚ ናይቲ ገባር ናይ ውሽጢ ዕዳጋ ናይ እምኒ ፅርበት ናብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳጋ ከየቅርብ ዕንቅፋት ኾይኖም ዘለዉ ነገራት ክፍትሑ ይግባእ፡፡ ብዩኒቨርስቲታትን ብቴክኒካል ት/ቤታትን ዝተምሃዙ ማሽናት ናብ ዕዳጋ ክነውፅኦም ይግባእ፡፡ እዚኦም ብቑዓት እንተዘይኾይኖም ከም መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ዘኣምሰሉ ትካላት ማሽናት ማለት’ውን ብገባራትን ብዝተምሃሩ መናአሰይ ገባራትን ክዝወሩ ዝኽእሉ ክምህዙ ክንቀሳቀሱ ኣለዎም፡፡ ካብ ቻይና ይኹን ካብ ኤሽያ ካልኦት ሃገራት ገልዒ እምኒ ብቐሊሉ ዝስንጥቃን ዝተሰንጠቐ ገልዒ ቅርፂ ብዘለዎ ኣግባብ ከም ብሎኬት ዘፍርያን ማሽናት ምግዛእ ይከኣል፡፡
ነዘን ንኡሳት ማሽናት ኣብ ምግዛእ ድማ ናይ ሊዝ ኣሰራርሓ ባንክታትና ብፍላይ ደደቢትን ካልኦት ማይክሮ ፋይናንስን ክተባብዓ ይግባእ፡፡ ናይ ትእምት ትካላት ብዝተዋደደ መልክዑ እንተሳትፎምዎን እንተሓሲቦሙሉን እቲ ናይ ፅሩብ እምኒ ዕዳጋ ካብ ገጠራትን ከተማታት ትግራይን ሓሊፉ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ‘ውን ሃህ ዝበለ ዕዳጋ ከምዝፅበዮ ፍሉጥ እዩ፡፡
ፅሩብ እምኒ ከም ጋንፉር ጨው እንተኮሚርናዮ ኣቅርቦት ብዝግባእ መተኣማመኒ እንተጌርናዮ ካብ ካልኦት ክልላት’ውን መፂኦም ባዕሎም ክገዝኡና ይኽእሉ እዮም፡፡
ህዝቢ ኣ/አበባ ንመመላክዒ ኣባይቲ ካብ ኣምቦ እናኸዱ ፅሩብ እምኒ ይገዝኡ፡፡ ሃዋሳ አስታት 60 ኪሎሜትራት ተጓዒዞም ፅሩብ እምኒ ይገዝኡ፡፡ ኣብ ኣምቦን ሲዳማን ፅሩብ እምኒ ብምቕራብ ጥራሕ ናብርኦም ዝደፍኡ ማሕበረሰባት ከምዘለዉ ይፍለጥ፡፡
ጋንፉር እምኒ /ፅሩብ እምኒ/ ባህሊ ተጋሩ’ውን ሒዙ ንዘበናት ዝተጓዕዘ እዩ፡፡ ናይ ተጋሩ ስነህንፃ፣ ጂኦሜትሪን ጥበብን ኣብ ውሽጡ ኣሎ፡፡ እዚ እናጠፍአ ከይዱ በብሎኬት እንተተኪኡ ግና ታሪኽናን ባህሊናን’ውን ኮነ ኢልና እናረኣናዮ ይጠፍእ ከምዘሎ ክንኣምንን ክንርድኦ ይግባእ፡፡
ስለዚ ጋንፉር እምኒ ንመስርሒ ገዛ፣ መንገዲ ኮብልስቶንን ንመማዕረጊ ኣባይቲን ከምዝጠቅም ተረዲእናን ሰፊሕ ዕዳጋን ኩለመዳያዊ ረብሓን ከምዘለዎ ተገንዚብና ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ /Actors/ ናይ ባዕሎም ገዛ ዕዮ ዝዋፅእሉ ማንዋል(መርሃ-መዝገብ/ምድላው የድሊ፡፡ ትካላት ትእምት መሪሕ ተራአን ክፃወታ ይግባእ፡፡
- ክቡራት ኣእማን (Gemstons)
ክቡራት ኣእማን (ጀምስቶንስ) ዝበሃሉ ከምደንጎላ ብብዝሒ ዘይርአዩ ንመጋየፂ ንጥቀመሎም ኣዝዮም ክባራት አእማን እዮም፡፡ ጃምስቶንስ (ክባራት አእማን) ኣብ ክልተ መቒልና ክንሪኦም ንኽእል ኢና፡፡ ክቡራትን ሓውሲ ክቡራትን አእማን እናተብሃሉ ይፅውዑ፡፡
ኣብ ዓለምና ልዕሊ ክልተ ሺ (2000) ዝኾኑ ዓይነታት ክቡራት አእማን ይርከቡ፡፡ ዛጊድ ካብዚኦም 100 (ሚኢቲ) ዝኾኑ ወዲሰብ ንዝተፈላለዩ መጋየፂታት እናተጠቀመሎም መፂኡ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ካብዚኦም ነቶም ዓሰርተ ሹድሽተ ዝኾኑ እዩ ብበዝሒን ብዓይነቱን ዝጥቀመሎም ዘሎ፡፡
እዚኦም ድማ ክቡራት ጀምስቶንስን (Preciouse Stones)ሓውሲ ክቡራት ጀምስቶንስ (Semi Preciouse Stones) ተባሂሎም ይፍለጡ፡፡
ክቡራት ጀምስቶንስ (Preciouse Stones) ዝብሃሉ መብዛሕቲኡ ግዘ ኣርባዕተ አእማን እዮም፡፡ እዚኦም’ውን
- ዲያመንድ
- ሩፒይ
- ሳፋየር
- ኢመራልድ እዮም፡፡
ክቡራት ጀምስቶንስ (Semi Preciouse Stones) ዝብሃሉ ድማ፡-
|
|
እዮም፡፡
ኩሎም ክቡራትን ሓውሲ ክቡራት አእማንን ንመጋየፂ፣ ንመመላክዒ ክብሪን ንዝተፈላለዩ እምነታት (ፍቅሪ፣ ኣስማትን ገዝሚን ውህብቶን ወዘተ.) ዝተፈላለዩ ህዝቢታትን ሃገራትን ይጥቀሙሎም፡፡ ዋግኦም ኣዝዩ ክባር እዩ፡፡
ዋግኦም ዝኸበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ብሃበተረኸበ ኣብ ኩሉ ከባቢ ኣይርከቡን፡፡ ብተወሳኺ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ተፃብኦታት ተፃዊሮም ነዊሕ ክፀንሑን ይኽእሉን ዘይበላሸዉን እዮም፡፡ ካብ መሬት ናብ ተጠቃማይ ኣብ ዝበፅሕሉ መስመር መስርሕ ድማ ልዑል ጥንቃቐን ፍልጠትን ይሓቱ እዮም፡፡
ትግራይ ብኩቡራትን ሓውሲ ክቡራትን አእማን ትሕመ ዓዲ ኣይኮነትን፡፡ ናይ ቀደም ጥንታዊ ፅሑፋት ኣውሮፓውያን ይኹን ማእኸላይ ምብራቕ ከምኡ’ውን ግብፂ ከባቢና ዓዲ ኩቡራት ኣእማን ምዃኑ ይሕብሩ፡፡ ሓድሓደ ናይ ኳዕቲ ሓበሬታትን ኣፈታሪኻትን እውን ነዚ ተወሳኺ መረዳእታ እናኾኑ መፂኦም እዮም፡፡
ሎሚ ሎሚ ግና ወርቂ’ውን ….. ብፃዕሪ ገባራት ተጋሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባታት ትግራይ ምርካብ ወይም ምዕራይ ምስቲ ምጅማሩ ገባራት ተጋሩ ንኻልኦት መዓድናትን ኣብ ምርካብ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ኣለዎም እዩ፡፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሳፋየር ዝተባህለ ክቡር እምኒ ኣብ ትግራይ ተረኺቡ ኣሎ፡፡
ኣብ ኩቡራትን ሓውሲ ክቡራትን አእማን ኣጠቓቕማ ፍልጠትን ዕዳጋን ንፁር ዝኾነ ኣሰራርሓ ስለዘይተዘርገሐ እቲ ማዓድን (ክቡር እምኒ) ብሕቡእ ሕቡኢተይ /ኮንትሮ/ ክኸይድ ተጌሩ ፀኒሑ እዩ፡፡ ሕቡእሕቡኢተይ እንተሃልዩ ድማ ኣደዳ ዉሑዳት በለፀኛታት ካብ ምዃን ዓዱ ኣይውዕልን፡፡
ገለገለ ሰባት ሩፕይ’ውን ካብ ትግራይ እናረኸቡ ውሽጣውሽጢ ዝሸጡ ኣለዉ፡፡ ኾይኑ ግና ኢመራልድን ሩፒይን ኣብ ትግራይ የለውን ማለት ዘይኮነስ ንፁር ሳይንሳዊ መፅናዕቲን ናይ ዕዳጋ መተግበሪ ማንዋል ስለዘይብልና ኣበይ ቦታ ሳፋየር፣ ኣበይ ቦታ ሩፒይ፣ ኣበይ ቦታ ኢመራልድን ዲያመንድን ከምዘሎ ነቲ ክልል ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ንፁር ኣይኾነን፡፡ ውሑዳት ጉሒላታት ግና ካብዚ ኣእማን ኣዝዮም ይርብሑ ከምዘለዉ ይፍለጥ፡፡
ሓውሲ ክቡራት አእማን ኣብ ወሰናወሰን ፀገዴ፣ ኣፅቢ፣ ተከዘ፣ ፀለምቲን መረብን ገማገም ዓፋርን ኢሮፕን መሊኦም እዮም፡፡ እቶም አእማን ኣብ ከመይ ዝበለ መሬት ይርከቡ? እንታይ መማላኸቲ ነገር ኣለዎም? ወዘተ ዝብል ብጂኦሎጂስት ዝተሓገዘ ትምህርቲ ስለዘይቐርብ ግን ተጋሩ ነዚ ሃፍቲ እዚ’ውን ተተሪኢስናዮ ንነብር ኣለና፡፡
እዚ ኣብ ኩቡራትን ሓውሲ ክቡራትን አእማን /ጂምስቶን/ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣረኣእያን ተግባርን ካብ ነበረያነበረ ዕዳጋን ኣለሻን ኣብ ቁልጡፍ ጊዜ ተቐይሩ ናብ ንቡር ክኣቲ ኣለዎ፡፡ መንግስቲ እንተደቀሰ’ውን ከም ትእምት ዝኣምሰሉ ትካላት ካብ ድቃሶም ተበራቢሮም ንእሽተን ወፃኢ መዲቦም መናእሰይ ተጋሩ ይኹን ትግራይ ተጠቃሚት ዝኾኑሉ ዕድል ክፈጥሩ ይግባእ፡፡ ናይ ኢንፎርሜሽን/ሓበሬታ/ ማንዋል፣ ናይ ዕዳጋ ማንዋል ብምቕራፅ ዝተፈላለዩ ናይቲ ዓውዲ ተወሳእቲ ግቡእ ተራኦም ዝፃወትሉ ኩነታት ከመዓራርዩ ኣለዎም፡፡ ካብ ዕንክሊል ብምውፃእ ሓዱሽ ኣካይዳ ክትልሙ ይግባእ፡፡
- በዓል ድርብ ድርኩኺት ልምዓት
ትግራይ ብሕርሻ ይኹን ብማዓድን ኣዝያ ሃፍታም እያ፡፡ ጎላጉል ምዕራብን ደቡብን ንዘራእቲ ዝጥዕም ልሙዕ መሬትን ወሓዝቲ ሩባታታትን 5ይ ከርሰ ምድሪ ማይ ሃፍቲ ዝርከቦ ቦታ እዩ፡፡ ምብራቕ ትግራይ፣ ማእኸላይን ገለ ክፋል ምዕራብ ትግራይ ድማ ንሃፍቲ እንስሳ የዐሪዩ ምችዊ እዩ፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለዉ ግና ካብ ኣልውሃ ምላሽ ክሳብ እምባ ሰሜንን ራስ… ጠረፍ ሱዳንን ኩሎም ዓይነት እምነበረዳትን ግራናይትን ኣለዉ፡፡ ዓድና ትግራይ ብሃፍታ እምኒ/ግራናይትን ማርብልን/ ካብ ዓለም ካብቶም ቀዳሞት ሃገራት ትስራዕ፡፡ ኩሎም ዓይነታት እምኒ/rocks/ ኣብ ትግራይ በበዝሒን ዓይነትን ኣለዉ፡፡
ንኣብነት መቐለ ማእኸል ጌርና 100 (ሚኢቲ) ኪሎሜትሮ ዙርያ ናይ እምነበረድ ክምሪ ይርከብ፡፡ እዚ ኩምሪ ትሕቲ መሬት’ውን ክሳብ ሓደ ኪሎሜትሮ ንቁልቁል ተፀፍፂፉ ይርከብ፡፡ እዚ ብሎካት /ገልዒ/እምኒ እንተደሊና ንእምነበረድ ኣብ ገለገለ ከባቢታት ድማ ንስሚንቶን ንጂፕሰንን ተዛመድቲ ፋብሪካታትን ንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፡፡
ኣብ ከባቢ ተምቤን፣ ውቕሮን ኣክሱምን ድማ ናይ ግራናይት ኩምሪ ብብዝሒ ይርከብ፡፡ ከባቢ ኢሮፕ ምስ ኣፍጋኒስታን ዝፈልዮ ነገር ዳርጋ የለን፡፡ ፀለምቲ ብዙሕ ናይ እምነበረድ ኩምራታት ዝርከቦ ከባቢ እዩ፡፡ ዋላ እታ ብልምዑነት መሬቱ ዘይሕመ ናይ ቃፍታን ሸራሮን ከባቢ’ውን እንተኾነ ናይ እምነበረድን ግራናይትን ኩምራታት ዘይፍለዮ እዩ፡፡
ጣልያን ኣብ ዓለም እንትፍለጡ ፃዕዳ እምነበረድ ናብ ዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ እዩ፡፡ ሱሌና ዝብሃል ናይ ጥልያን ከባቢ ፃዕዳ እምነበረድ ዝተኾመረሉ ከባቢ እዩ፡፡ መንግስቲ ጣልያንን ሰብ “ሃብትን ንኣማኢት ዓመታት እዚ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ፃዕዳ እምነበረድ እናውፅአ ንዓለም ስለዝሸጥዎ ዳርጋ ናይ እምበረድ ማርክ /ምልክት/ ኾይኑ ፀኒሑ እዩ፡፡ ሎሚ ሎሚ ግና ፃዕዳ እምነበረድ ምንጪ እናነፀፈ ይርከብ፡፡
ጣልያን ፃዕዳ እምነበረድ ኣበይ ኣበይ ይርከብ እናበለት ፈቀዶ ዓለም ኣለሻ ደንጎላ ሃወትወት እናበለት ትርከብ፡፡ እዚ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግና ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጥቃ ሸራሮ ማሕበር ሰብ ኩናማ ኣብ ዝርከብሉ ጣብያታት ከባቢ ዲቺናማ ካብቲ ናይ ጣልያን ሱሌና ዝፃዕደወ የመና ፃዕዳ እምነበረድ ተረኺቡ ኣሎ፡፡
ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝማዕረጉ እምነበረዳት ኣብ ዓድዋ ይኹን ኣብ ፀለምቲ ብብዝሒ ይርከቡ ኣለዉ፡፡
ካልእ ትግራይ ንዕዳጋ እምኒ ሓዳሽ ኣይኮነትን፡፡ ታሪኽ ተጋሩን እምኒን ዘይፈላለ እዩ፡፡ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ እምኒ ንዘበናት ሰልጢኖምሉ እዮም፡፡ ኣቀማምጣ ትግራይ’ውን ንዕዳጋ እምኒ ማእኸል እዩ፡፡ ትግራይ ብኣቀማምጣኣ ተነፃፃሪ ረብሓ /Comparative Advantage/ ኣለዋ፡፡ ዋና ዋና ገዛእቲ ግራናይትን እምነበረድን ኣውሮፓ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ሃገራት ኤስያን እየን፡፡
ደረጃ ሓደ /Level One/ ማለት’ውን ገልዒ /ብሎክ/ ግራናይትን እምነበረድን ናብ አውሮፓን ምብራቕ ኤሽያን ሃገራት ኣዕራብን ክነቕርብ ንኽእል ኢና፡፡ ገልዒ እምነበረድን ግራናይትን ግድን ናብ ጣልያን፣ ቱርክን ቻይናን ክኸዱ ኣለዎም ማለት ኣይኾነን፡፡ ሰብ ሃብቲ ጥጣልያን፣ ቱርኪን ቻይናን ቴክኖሎጂኦምን ማሽናቶም ሒዞም መፂኦም ካብዚ ካብ ትግራይ ውዱእ ዝኾነ እምነበረድን ግራናይትን ከፍርዪ ይኽእሉ እዮም፡፡
ምእንተ እቲ ተረፈ ምህርቲ /ሕሩጭ/ ስብርባርን ንሕርሻን ንኬሚካልን ትካላትና ክንጥቀመሉ ብሎካት /ገልዒ/ ኢና ንደሊ እንተይሎም’ውን የዋፅእ እዩ፡፡ ውዱእ ዘይኮነ ገልዒ /ብሎክ/ እምነበረድን ግራናይትን ካብ ብራዚል ናብ ቻይና ክልተ ውቅያኖሳት ተሳጊሩ እዩ ዝኸድ፡፡ ናብ ኣውሮፓ’ውን ርሑቕ እዩ፡፡ ንሕና ግን ብኣቀማምጣና ናብ ክልቲኡ ቀረባ ስለዝኾነ ንብራዚል ክንድርብዮም ንኽእል ኢና፡፡ ካብ ብራዚል ንሕና ተመረፅቲ ንኾነሉ ዕድል ገፊሕ እዩ፡፡
በቲ ኣፍጋኒስታውያን ዘኣተውሉ ነቓዕ ዕዳጋ ዓለም ንሕና ተጋሩ ዘይንኣትወሉ ምኽንያት ፈፂሙ ኣይህሉን፡፡
- ደንጎላ ድርኩኺትን እምነ ኩርናዕ ልምዓት ትግራይ
ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን ካብ ዕንክሊል ወፃእ ይኹን /Beyound-the-marry-go-round/ እንትንብል ኣብዚ መዳይ እዚ’ውን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ደንጎላን እምኒን ናይ ድኽነት ሓሪን ምልክት ዘይኮነስ ናይ ኣኸዛን ሃፍቲን ፍልፍል ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ፡፡ ካብ ንዘመናት ኣቲናዮ ዝፀናሕና ድቃስ ክንበራበር ኣለና፡፡ ብትክክል እንተሰሪሕናሉ ብእምነበረድን ግራናይትን ጥራሕ ካብ ዓለም ካብቶም ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ዘይንኾነሉ ምኽንያት ፈፂሙ ኣይህሉን፡፡ ሰቲ ተጎዝጉዝና እናሃለውና ኮርኩሒና ምባል ግቡእ ኣይኾነን፡፡ ኣይኮነንዶ ሙሉእ ትግራይ እምነበረድን ግራናይትን ተኸቢባስ ከባቢ መቐለ ጥራሕ እኳ ወሲድና ገፊሕ ሃፍቲ እዩ ዘለና ስለዚ ካብ ኣብ ሕርሻ ጥራሕ ዕንክሊል እንብል ናብዚ’ውን ንጠምት፡፡ ካብቲ ደንዚዝናዮ ዘለና ድንዛዘ ኣእምሮና ኣፍታሕቲሕና ንውፃእ፡፡
ንደንጎላ /እምኒ/ ጠመተ ንግበረሉ ማለት ሕርሻ ንግደፎ ማለት ከምዘይኾነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ክልቲኡ ጎኒጎኒ ምክያድ ይከኣል እዩ፡፡ ፍርቂ ናይቲ መንግስቲ ንሕርሻ ዝህቦ ዘሎ ጠመጠ ንእምኒ እንተሂቡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ብቢልዮናት ዝግመት ናይ ወፃኢ ሸርፊ ካብ እምኒ ምርካብ ይከኣል እዩ፡፡ እዚ ክብሃል እንተሎ ግን መንግስቲ ንሳባ ፣ ሰማያታን ዱርኣምባ ጥራሕ ማእኸል ጌሩ ይስራሕ ማለት ኣይኾነን፡፡ ብኣሽሓት ዝቑፀራ ናይ እምኒ ኳሪ ማእኸላት ክህሉዋ ይግባእ፡፡ ስራሕ ዝሰኣኑ መናእሰይ ይኹኑ ሃፋትም ተጋሩ ብበዝሒ ናብቲ ሴክተር ክኣትዉ ንግበር፡፡ እዚ እንተተክኢሉ ተወዲቦም በይኖም እንተዘየለ ድማ ውልቀ ውዳበታትን መንግስትን ብሽርክና ወይ ከዓ ናይ ደገ ሰብ ሃብቲን ናይ ውሽጢ ዓዲን ብሽርክና ክካየድ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ስራሕ እዚ ዓል ሕደር ዝበሃል ኣይኮነን፡፡
መንግስቲ ፅሩይ እምኒ ብዓይነትን በብዝሕን ዝርከበሉ ቦታ ብሳይንሳዊ መረዳእታ ከቕርብ ይግባእ፡፡ ከምቲ ትግራይ ዓዲ ኩዕንቲ እናተብሃለት ፀኒሓስ ብሓፂር ግዘ ዓዲ ወርቂ ዝኾነትሉ መስርሕ “መስደመም” ክኾን የብሉን፡፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወርቂ ብባህላዊ መንገዲ ክኣርዩ ዝተዋፈሩ ገባራት ተጋሩ ናብ ከባቢኦም እንትምለሱ ብልምዲ ኣብ ካባቢኦም ሃሰስ እንትብሉ ወርቂ ምርካብ ጀሚሮም፡፡ ብመሰረት እዚ ድማ ዳርጋ 80% ወረዳታት ትግራይ ዝርከቡለን ከባቢ ኮይነን፡፡ መንግስታዊ ቢሮ ማዓድን ትግራይ ግና ኣብ ክንዲ ኣቐዲሙ ናይ ወርቂ ቦታታት ነፂሩ ዘቕርብ ደድሕሪ ገባራት እናኸደን እናተመርሐን ይርከብ፡፡ ከምኡ ብምዃኑ ድማ ኣለሻ ወርቂ ንከባቢ ምብራስን ምጉሕጓሕን ንካልኦት ዘይሕጋዊ ነገራት መንገዲ ይከፍት ኣሎ፡፡
ናይ እምኒ ነገር’ውን ከምቲ ናይ ወርቂ ከይኾን ምጥንቓቕ ከድሊ እዩ፡፡ ንዓመታት ብማይን ሓመድን ዕቐባ ዘማዕረግናዮ ከባቢ ተረኸበያ ተባሂሉ አደዳን ውሕጅን ፍግረመሬትን ከይንገብሮ ሰብ ሞያ ኣቐዲሞም ማዕድናዊ ካርታ ክገብሩሉን ኣጠቓቕማኡ ድማ ማንዋላት ከውፅሉን ይግባእ፡፡ ኣቐዲሞም ተዋሂቦም ዘለዉ ሰብሃብቲ’ውን ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ብግቡእ ዘይጥቀሙሎም ጎቦታት ሒዞም “ዛ እንባይ መን ይወርሳ” ዘዓይነቱ ኣኻይዳ ከይህሉ ብኣግኡ ክእረም ኣለዎ፡፡
እቲ ዓውዲ ብሰለስቲኡ ደረጃታት ክትግበር ዝኽእል እኳ እንተኾነ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ትካላት ግና ዋላ እቲ ተረፈ ምህርቲ ናብ ካልኦት ናይ ሕርሻን ኬሚካልን ኢንዱስትሪታት ከም ጥረ ኣቕሓ ዝውዕለሉ መንገዲ ካብ ብሕዚኡ ክጥምቱ ይግባእ፡፡ ኣብ ትግራይ ትድርበ ነገር ክትህሉ ኣይግባእን፡፡
- ሕዛእቲ ቕርሺ
ዕዳጋ እምነበረድን ግራናይትን ብዓሰርተታት ቢሊዮናት ዶላራት ልውውጥ ዝግበረሉ እዩ፡፡ ማእኸል ዕዳጋ እምነበረድን ግራናይትን ድማ ከባቢና ከምዝኾነ ልዕል ክብል ሪኢናዮ ኣለና፡፡ ትግራይ ልዕሊ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ንኣሸሓት ዓመታት ምስ እምኒ ዝተዛመደ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ፡፡ ትግራይ ናይ ኩሉ ዓይነት እምኒ በዝሒን ዓይነትን ዓዲ እያ፡፡ ብዚ ግዜ እዚ ተሸይጡ ክለኣም እዩ ዘይበሃል እምኒ ኣሎና፡፡ እምኒ ዘይብላ ወረዳ ትግራይ የላን፡፡ እምና ንምውፅኡ ከምቲ ናይ ካልኦት ከባቢታት ዓለም ብዙሕ ፃዕሪ ዘድልዮ ኣይኾነን፡፡ ናብቲ እምኒ ዘለዎ ቦታ’ውን እንተኾነ ናይ መሰረተ ልምዓት (ፅርግያ) ፀገም ዳርጋ የብሉን ክብሃል ይከኣል፡፡
ማርብልን እምነበረድን ከምዚ ዝበለ ዕዳጋ እናሃለወ ግና ንሕና ንኡኡ ገዲፍና ኣብ ዝባኑ እኽሊ እናዘራእና ክቦቅልዶ ኣይቦቅልን እናፀለና ንዘይረብሕ ነገር ክንፅበ እተለና ናይ ማን ክንድ ምንታይ ከምዝደቀስና ዘርኢ ሓቂ እዩ፡፡
ተጋሩ ኣብ ሕዛእቲ ቅርሺ ደቂስና እንልምን ሰባት ምዃና ካብዚ ንላዕሊ ካልእ መረዳእታ ክህሉውና ኣይኽእልን፡፡ ኣብ ከርሲ ትግራይ እምነበረድን ግራናይትን ጥራሕ ኣይኾነን ዘለና፡፡ ክቡራት አእማን (ከም ሳፋየር፣ ኢሚራልድ ወዘተ..) ወርቒ፣ ሓፂን ወዘተ. ኩሎም ኣለዉና እዮም፡፡ ግን እቶም ብዙሕ ፃዕሪ ዘይሓቱን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡን ንቐፃላይ ምዕባለና ከም ድርኹኺትን መንጠሪን ክኾኑና ዝኽእሉን ግና እቶም ደንጎላታት እዮም፡፡
ደንጎላ ክሳብ ሕዚ መዕረፊና ኮይኑ ፀኒሑ እዩ፡፡ መናብርትናን ጎረባብትናን ልሙዑነትን ሃፍቲን ዝዕቅንዎ ብሓመድን ብጠጥዒን ስለዝኾነ ምሳና ተኾርዮም እንታይ ክበልዑ እዮም፡፡ ብዘይኻና ሓንቲ ለይቲ ‘ውን ክሓድሩ ኣይኽእሉን፡፡ ካባና ወፃኢ በይኖም ክነብሩ ኣይኽእሉን እናበሉ ንዘበናት እናላገፁልና መፂኦም እዮም፡፡
ተጋሩ ኣብ ርእሲ ሕዛእቲ ቅርሺ ደቂስና ከምዘለና ንሕና ኾነ ናይ ከባቢና ህዝብታት ክሳብ ሕዚ ኣይፈለጥናዮን፡፡ ነዚ ተተርኢስናዮ ዘለና ሕዛእቲ ቅርሺ ከይንሪኦ ዓይንና ህማ ኮይኑ ሒዙና ዘሎ ድማ ኣካይዳናን ኣተሓሳስባናን እዩ፡፡ ናይ ዕንክሊል ኣካይዳ፡፡ ስለዚ ነዚ ሕዛእቲ ቅርሺ ክንጥቀም እንተኾይና ካብ ዕንክሊል … /Beyound-the-marry-go-round/ ኣካይዳ ኣብዚ’ውን ክንክተል ይግባእ፡፡
- ክንኣትዮ ዝፈራሕናዮ በዓቲ!
ተጋሩ ሕዛእቲ ቅርሺ ተተርኢስና ነቲ ሕዛእቲ ንዘበናት ተፀይፍናዮ ፀኒሕና ኢና፡፡ ከምዚ ዕድል ኮይኑ ፈጣሪ ንኹሉ ትግራዋይ ደንጎላ ኣተርኢስዎ እዩ፡፡ ኣብ ከባቢና ደንጎላ የብልናን ኢሉ ንፈጣሪኡ የህ ዝብል ትግራዋይ ኣይህሉን፡፡ ከምዛ ደቂ እኖ ማዕረ እዩ መቒሉና ፈጣሪ፡፡ ደንጎላ ኣልቦ ከባቢ ኣብ ትግራይ የላን፡፡ ደንጎላ መለለይናንን መዕበይናን እዩ፡፡
ደንጎላ ታሪኽ ፅሒፍናሉ ኣባይትና ሰሪሕናሉ ካብ ካልኦት ጎረባብትና’ውን እንድለየሉን ምስ መንነትና ዝተኣሳሰረ ምዃኑን ኣርኢና ኢና፡፡ ደንጎላ ወቂርና ጥሒና /መጥሓን/ፈጢርናያ ኢና፡፡ ክሳብ ሕዚ ግን ቕርሺ ምዃኑ ኣይተርኣየናን፡፡ እዃደኣስ መፅረፊና ኾይኑ ፀኒሑ፡፡
ሎሚ ግና ከምቲ ጆሴፍ ካምፕቤል ዝተባህለ ፀሓፊ ዝበሎ “ክትኣትዮ ዝፈራሕኻዮ በዓቲስ ትምነዮ ኣኸዛ ትረኽበሉ” ኮይኑ ንዘበናት ፈጣሪና እናረገምና “ጎይታ እንታይ ጌርናካ ኢና ናብዚ ደረቅን እምኒ ዝበዝሖ ከባቢ ኣምፂእኻናን ፈጢርካናን” እናበልና ፈጣሪና እነማርር ዘበን ዘብቐዐ ይመስል፡፡ ዋጋ ከምዘይብሉ ብርሑቕ ንፈርሖን ነማርሮ ዝነበርና ደንጎላ ብተግባር ወርቒን ዶላርን ምዃኑ ዓለም የርእየና ኣሎ፡፡ ኣፍጋኒስታውያን እኳ ቀዲሞምና ተበራቢሮም ሚሊዮናት ይዝሕቑ ኣለዉ፡፡
ንሕና ተጋሩ’ውን ነቲ ክንኣትዎ ዝፈራሕናዮ በዓቲ ኣቲና ንምነዮ ልምዓትን ሃፍቲን ንዝሕቐሉ እድል ንፍጠር፡፡ ካብ ዕንክሊል ቀልጢፍና ንውፃእ፡፡ ካብ ደንጎላ ዝተወሰነ ገንዘብ እንተረኺብና ዳሕራይ ትሕቲ እቲ ደንጎላ ብዙሓት መዓድናት ኣለዉ እዮም፡፡ ንዖኦም’ውን ኣይንምሕሮምን፡፡
ስለዚ ትግራይ ብፈጣሪ ክንኣትዎ ዝፈራሕናያ በዓቲ እያ ትመስለና ዘላ ኮይኑ ግና ኣካይዳና ቀይርና እቲ ሪሶርስ /ሃፍቲ/ እንተተጠቒምናሉ ግን ካባና ዝሓሸ ሃፍቲ ዘለዎ ከባቢ ፈፂሙ የለን፡፡ ተጋሩ ሕዛእቲ ቅርሺ ተተርኢና ክንስኮን የብልናን፡፡ ደንጎላ ትግራይ-ሕዛእቲ ቅርሺ ምዃኑ ኩላትና ክንፈልጦ ይግባእ፡፡