
ከም ተጋሩ ዘርኢ ምፅናትት እዩ ተኣዊጁናን ተኻይዱናን። ከከም ኩነታትቱ ዝለዋዋጥ ተለዋዋጣይ ባህሪ ዘለዎ ሽም ንምሃብ ዘፀግም ገፀ ባህሪ ዝተላበሰ ክኾን ይኽእል እዩ፣ ግን ዘርኢ ምፅናት እዩ። ዝተፈላለዩ ኣቀራርባ ሜላታት እናተጠቐመ ናይ ሚድያ ፕሮፖጋንዳ ኣምሪሑ እዩ ተኸይዱን ዘሎን። ስለዚ ኣብ ሚድያ ፍሉይ ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ብምእማን ውራይና ርኡይ ግደ ንምፃፅዋት ውሳነና ኮይኑ ኣሎ።
ውራይና መፅሄት ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ፅንታዊ ኲናት ስርሓ ጠጠው ኣቢላ ምፅናሓ ይፍለጥ። ቅድሚ ሐዚ ብዋናነት ብመፅሄት ጥራይ እያ ትሕተም ነይራ። ሐዚ ግን ሕትመት መፅሄት ሓዊሱ፣ ብ ዌብሳይትን ብ ኦድዮ-ቪዥዋልን ክትመፅ ምድላዋታ ወጋጊና ኣላ። ተበፃሕነት ንምስፋሕ ብኹሉ መልክዕ ምምፃእ ኣድላዪ ኾይኑ ኣሎ።
ውራይና ከም ምንጪ እሙን ሓበሬታ ቅልጡፍ ልውውጥ ሓበሬታ ንምሃብ ብዌብሳይትን ካልኦት መዳያት ማሕበራዊ ሚድያን መዓልታዉን ቅንያታውን ሓበሬታ ምዕባለታት ተካፍለሉ መስርሕ ዝጠልብ ብምዃኑ፥ ብፅሑፍን ብ ኦድዮ-ቪዥዋልን ኮላይ ብሳትላይት ዝመሓላለፉ መደባት በበግዚኡ ክተቕርብ እያ። ከምኡ ‘ውን ብዕምቆት ምዝርራብን ምትንታንን ዘድልዮም ጉዳያት ትግራይ ወርሓዊ ብዝሕተም መፅሄት ክድህሰሱ እዮም።
እቶም ዋና ጠመተ ንገብረሎም ከም ኣብነት፡
- ባህግን ስትራተጂካዊ ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ብሙሁራዊ መጽናዕቲን ሰፊሕ ተሳትፎ ግዱሳት ተጋሩ መሰረት ዝገበረ ምይይጥን ንምንፃር ፃዕሪ ምክያድ፥ ዛዕባታት ብትልሚ እናመዘዘ ኣብ መንጎ ሙሁራንን መራሕትን ክትዕን ዘተን ክካየደሎምን ኣብዙርይኦም ሓበራዊ ምርድዳእ ክፍጠርን ናፃ መድረኽን ዕድልን ምምችቻው፥ ብመጽናዕቲን ምይይጥን ኣብ ዝተነጸረ ባህግን ስትራተጂካዊ ረብሓን ትግራይ፣ ህዝቢ ትግራይ ሓበራዊ ምርድዳእ ክህልዎን ኣብ ዙርይኦም ብምዕሳል ንተግባርዊነቶም ክወፍርን ዝሕግዝ ናይ ሓበሬታን ምልዕዓልን ኣማራፂ መድረኽ ምፍጣር።
- ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ፣ እዋናዊን ወድዓዊን ኩነታት ትግራይ መሰረት ዝገብረ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ኣንፈታትን ምዕባለታትን ገምጋምን ትንትናን ብምክያድ ብመንፅር ኣብ ትግራይ ክፈጥሩዎ ዝኽእሉ ፅልዋ መዚንካ ዝርዝርዝ ግብረ መልሲን መዋፅኢ ሓሳብን ምሕባር፣ ንዙይ ፅሑፋትን ክትዓትን ምክያድ
- አብቲ ህዝብን መንግስታዊ ትካላትን ንልምዓትን ለውጥን ዕንቅፋት ዝኾኑ አረአእያታትን ባህልታትን ተግባራትን ንኽልውጡ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ፤
- ብሓፈሻ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ድኽነትን ድሕረትን ዝፅየፍ ኣርኣእያ ፈጢርካ ናይ ለውጢ ሓይሊ (change Agent) ክፍጠር ከም ማሕበረሰብ ከምኡ ዝበለ ኽኮን ምትጋህ እዩ። ንኹሎም ስራሕቱ ምስ መበቆላውነት፣ ታሪኽን ስልጣንያዊ መንነትን ማሕበራዊ ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ ብምትእስሳር ምርኣይን ብኡ ምቕናይን። ረብሓን ጥቅምን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ዝሃበ፡ ንኽብሪ፣ ድሕንነትን ህልውናን ትግራይ መሰረት ዝገብር መትከል ይኸውን ጠመተና።
ሞራል ተጋሩ ሓፍ ክብል፣ ብህቦብላ ተፀፊዑ ዝምብርከኸሉ ዕድል ዝፈጥር ምክፍፋላትን ምሽርራፋትን ኣብ ውሽጥና ከይፍጠር ምትጋህ።
ናይ ትግራዋይነት ዓሚቕ መንነት ኣብዚ ዘመን ክዕምብብ ምግባር።
ኣብ ትግራዋይነት መንነት ማእኸል ዝገበረ ናይ ሚድያ መጥቃዕቲ ምፍሻል ጥራይ ዘይኮነስ መሊስካ ናብ ረብሓኻ ምውዓል። ምፍሻልን ምምካትን ኣንፃር ትግራይ ንዝመፁ ፀለመታት፣ መጥቃዕትን ሓደጋን ወዘተ።
ኣብ ውሽጥና ክፍጠሩ ዝኽእሉን ዝፍጠሩ ዘለውን ደንገርገራት ምፅራይ።
ዕቑር ስልጣነ ትግራዋይነት ናብ ልዑል ደረጃ ምምላስን ቀፃልነት ስልጣነ ዘሰጋግር ወለዶ ምፍጣርን።
ማሕበራዊ ክብርታትን ጥበብን/ፍልጠት ትግራዋይነት መሰረት ዝገበረ ኩለ መዳያዊ ናይ ምዕባለ ተበግሶታት ክቀፃፀል ምግባር።
ዓለማዊ ተደላይነት ምህናፅ ወይ ምምዕባል።
ምሕዝነት ምስ ካልኦት ህዝብታት ምህናፅ።
ስሕበታዊ ሓይሊ (attractive power) ምህናፅ።
ትግራዋይነት ብጭርሖ ዘይኮነ ብምዃን ንገልፆ። መንእሰይና ኣብ ዓዱ ምሉእ ተስፋ ክህልዎን ናብ ውሽጡ ክርኢ፣ ብባዕሉ ክኾርዕ፥ ዓቕምታት ብዝግባእ ዝርዳእን ዝትንትንን” ድኽመታት(ድሕረታት) ትግራይ ብዝግባእ ዘለልን ዝቃለስን፥ ዓቕምታት ምህናፅ ማእኸል ዝገበረ ምህዳር ንኽህሉ ዝሰርሕ፥ ኣጀንዳ ምፍጣር ምኽኣል።
ምትእስሳር።
ውራይና ክኾን ዘለዎ፡ ወናኒ ልዑል ትሕዝቶ (prestigious content) ክኾን። በዚ እውን እቲ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ሚድያ ፃምእ ብውሱን መልክዑ ንምርዋይ ክኽእልን ዓብዪ መዘራረቢ መድረኽ ተጋሩ ክኾንን እዩ።
ኣጀንዳ ሴት ክገበር፣ ክብርታት ተጋሩ ከጉልሕ፣ ልዕልነት ሕጊ ከኽብር፣ ንተጋሩ ‘ብሪጅ’ ክኾን፣ ማሕበረሰባዊ ለወጢ ከምፅእ፣ ሓበራዊ ምርድዳእ ዘይተፈጠረሎም ክፈጠረሎም ኽፅዕር፣ ናብ መሰረትና መሊሱ ምትእስሳር ወለዶታት ክፈጥር፣ ትግራይ ገደብ ዘይብላ ናይ ሓሳብ ዕዳጋ ክገብር (ማርኬት ፕሌስ ኦፍ ኣይድያስ)፣ ናይ ባህሪ ለውጢ ዘምፅእ፣ ንህዝብና ተስፋ ዘትሕዝ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘስፍን፣ ማዕርነት ዘስፍን፣ ምክእኣል ዘምህር፣ ንኹሉ ዘሳትፈ፣ ፀገም ሕብረሰተብ ዘለሊ፣ መፍትሒ ዘነፅር ንተግባራወንት ዝተግህ።
ብሓዱሽን ነፃን ኣቀራርባ፣ ኣብ ፍልጠት ዝተሞርኮሰ፣ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ, ንኹሎም ኣተሓሳስባታትን ሓይልታትን ዘሳተፈ፣ argumentative፣ investigative፣ ሕብረተሰባዊ ምንቕናቕ ዝፈጥር፣ብተኣማንነት ዝሰርሕ፣ Bottom-up approach ዝጥቀም። ብፍላይ ብሶሻል ሚድያ መጀመርታ ንቲ ዝኒሀ ብልሽው ባይታ ምውጋእ ካብኡ ኣጀንዳ ምቅራፅ።
ሚድያ ንህዝቢ ናብ ምዕባለን ለውጥን ክወስድ ከም ዝኽእል ናብ ብፅብፅን ጥፍኣትን እውን ክወስድ ይኽእል እዩ፣ ናይ ህዝብታት ድሑር ስሚዒታት ብምኹርኳር፣ ነገራት ብምግናን ወይ ፍጥር ኣቢሉ ብምዝራብ፣ ናይ ህዝቢ ህልቂት ክፈጥር ከም ዝኽእል ሩዋንዳ መርኣያ እያ ንብል ነይርና ባዕልና ውን ኮይና።
ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮናን ሐዚ ኣብ ስራሕ ካብ ዘለው ሚድያታት ትግራይን ክፍተታት ብምምርማር ንቲ ኽፍተት ዝምልእ ኣካይዳ ክንክተል ኢና።
Wel come!!
ውራይና ኣብ ውራይ ኩልና ማለት ውራይ ትግራይን ተጋሩን ክትነጥፍ ትፅቢተይ እዩ። ቀደም ቀደም ሓሳብ ዓለም ይገዝእ ንብል ነይርና፤ ሎሚ ኸ? ውራይና ዋጋ ሓሳብ ኣኽቢራ ክትምርሽ ኣለዋ። ኣማራፂ ሓሳብ እንትህሊ ኣፈላላይ ሓሳብ ክመፅእ ግድነት ምዃኑ ኣሚታ ፖለቲካዊ፣ሃይማኖታዊ…መርገፂ ሰባት ብዘየገድስ ንትግራይ ዝጠቅም ዝተፈላለየ ሓሳብ ባይታ ክረክብ ክትዓምም ይምሕፀን። ናይማን ውራይና ውራይ ኩልና እንተኾይና ማለተይ እየ።
እንኳዕ ደሓን መጻኹም
Nice to see you again
ቀፅልሉ ኣብ ጎንኩም ኣለና
Welcome back once again!!
Let’s be together and do something for our people.
ኣሬ ጎበዝ በርትዕ ፤ድምፂ ህዝቢ ኹኑ።
Wrayna megazen
Selam gobez zehawey