ትግራይ ሓደ እዋን ልዑል ዝኾነ ዝልጣንያዊ ብራኸ ዝነበሮ፥ ካሊእ እዋን ድማ ወዲቑ ኣብ ድሕረት፣ ድኽነትን ድንቁርናን ክነብር ዝተገደ፥ ኣካል ኢትዮጵያ ብምዃኑ ንብሄራዊ ዕብለላን ኣድልዎን ጭቆናን ዝተቓልዐን ንዚ ክምክት ብዙሕ ቃልሲ ዝገበረን፥ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ኣዚዩ ነዊሕ ንዝኾነ መዋእል ንዓዱን ንመንነቱን ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል እናተቓለሰ መፂኡ እዩ። በቢእዋኑ ድማ ገዘፍቲ ዓወታት ሓፊሱ እዩ። ይኹንምበር ውሑስ ህልውንኡ ከረጋግፅ ተፀጉሙ ኣሎ፥ ዝተማለኣ ፖለቲካዊን ኢኮኖምያዊን ሓርነት ከርጋግጽ ኣይክኣለን። እዚ ድማ ሳይንሳዊን ሙሁራዊን ብዝኾነ ኣግባብ ባህጉን ስትራተጂካዊ ረብሓታቱን ነፂሩ ኣብ ዙርይኦም ድማ ዝተማለኣ ኣራዳዳድኣን ድልዱል ሓድነትን ፈጢሩ ኣብ ምንቅስቓስ ፀገማት ስለዘለዉ እዩ።
ንፁር ብሄራዊ ባህጊ፣ ዕላማን ረብሓን ሒዙ ንዙይ ዝኾን ስትራተጂ ቀሚሩ ዕድሉ ባዕሉ ዝውስነሉ ሓርነት ስለዘይወነን ብኻሊእ ገፅ ድማ ህልውንኡ ውሑስ ገይሩ ምዕቡል ህይወት ንምንባር ቁጠባውን ማህበራውን ምዕባለ እናረጋገፅ ክኸድ ኣይክኣለን። ንእሽተይ ፍሒት ይብል ተመሊሱ ይርመስ እናኾነ እዩ መፂኡ። ስለዚ እዚ ክፍተት እዙይ ኣብ ምምላእን እቲ ፀገም ኣብ ምእላይን ብዉነን ብፅንዓትን ክዉፈረሉ ይግባእ።
ብዓሙቕ መፅናዕትን ሰፊሕ ተሳትፎ ዘለዎ ተኸታታሊ ናይ ሚድያን ናይ መድረኽን ዘተን ንፁር ብሄራዊ ባህግን ረብሓን ሒዝካ ኣብኡ ብሓድነትን ስምረትን ሰሚርካ ምዕሩይ ፖለቲካን ቅልጡፍን ዘየቋርፅን ምዕባለ ንምርግጋፅ እቲ ክሳብ ሐዚ ዝፈረየ ፍልጠት፣ ክእለት፣ ምያን ልምድን ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ምስቲ ናይ ንዋይ ሃፍቲ ዘዋህለለ ኣዋዲድካ ንኻልኦት ‘ውን ሰሓባይ ዝኾነ ናይ ልምዓት ሃዋህው እንዳፈጠርካ፥ ካብ ትግራይ ወፃእ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ኮነ ኣብ ወፃእ ዓዲ ዘሎ ዓቕምታት ምእኹል ብዝኾነ መንገዲ እናተናበበን እናተደጋግፈን መፈንጥራዊ ዓቕሚ ዝፈጥር ኣካይዳ ምኻድ እዩ። ብዋናነት ናይ ተጋሩ ዓቕምታት ብምውዳድ ምችው ሃዋህውን ተቓፅፃሊ ዓቕምን ዝፈጥር ኮይኑ ናይ ካልኦት ወፃእተኛታት ዓቕሚ ‘ውን ዝጥቀም፣ ዝእልሽን ሰሓቢ ኩነታት ዝፈጥርን ሰናይ ጉርብትናን ዝምድናን ዝፈጥር ኣካይዳ የድሊ።
ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕብረተሰብና ድኽነትን ድሕረትን ዝፅየፍ ኣርኣእያ ፈጢርካ ናይ ለውጢ ሓይሊ (change Agent) ክፍጠር ከም ማሕበረሰብ ከምኡ ዝበለ ኽኮን ምትጋህ እዩ። ንኹሎም ምንቅስቓሳት ምስ መበቆላውነት፣ ታሪኽ፣ ስልጣንያዊ መንነትን ማሕበራዊ ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ ኣታአኣሳሲርካ ምርኣይን ብኡ ምቅናይን የድሊ።
ውራያና ኣብዚ ኸምዙይ ዝበለ ዕማም ብውፍይነት፣ ብትሃትን ቖራፅነትን ንምስራሕ መፂእና ኣለና። መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ብሩህ ንክኸውን፥ ካብቲ ዝኒሀናዮ ክፉእ ኩነታትን ናይ ነዊሕ ዘመናት ዕንክሊልን ወፂእና ናብ ዝለዓለ ዘተኣማምንን ዘየቋርፅን ብርኪ ምዕባለ ንምስግጋር ዘኽእለና ናይ ቃልሲ ኣንፈት ንምንፃር ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ፥ ሑሉፍናን ህልው ኩንታትን ብዝግባእ ንምፍታሽን ዓሙቕ ዓርሰ ምርመራ(ከም ህዝቢ) ንምግባር ዘኽእሉ ሕቶታት ንምልዓል እዩ።
ከም ተጋሩ ናይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመታት ዕንክሊ(vicious circle) ብዘየማትእ ፈቲሽና ዳግም ናይ ህልውና ሕቶ ናብ ዘይነልዕለሉ ምልኣተ ፀጋ (virtuous) ከመይ ንሰግር? እንታይ ንፈትሽ? እንታይ ንግደፍ እንታይ ንሓዝ/ነማዕብል ወይ ሓዱሽ ነገር ነተኣታቱ? ኣበይ ነይርና ኣበይ ኣለና ከመይ ንኺድ? እንብለሉ ዘለና እዩ። ኣብዝግበሩ ዝርዝርባት ሕቶ ምምላስ ጥራይ ዘይኮነ ሕቶ ምልዓል እውን፡ ማለት ብሰፊሕ ምይይጣትን ምርምራትን መልሲ ክርከበሎም ዝግባእ ናብ ደንገገር ኣኣትዮም ዓርስና ክንምርምር ዝገብሩና ሕቶታት ምልዓል፣ መልሲ ዝረኽብናሎም ጥራይ ዘይኮነ መልሲ ዘይረኸብናሎም ሕቶታት ውን ምልዓል ኣካል ፅሑፋትናን ቃለ መጠይቕናን እዩ ክኾን፥ ዕላማና ንዝለዓሉ ዘለው ሕቶታታ መልሲ ክረኽቡ ጥራይ ዘኮነስ ናብ ካሊእ ሕቶታት ዘስግሩን እቲ ዘሎ ክፍተታት ከርእዩ ዝኽእሉ ንኻሊእ ክትዓትን ምይይጣትን በሪ ዝኸፍቱ ሕቶታት እውን ምልዓል እዩ። ሕቶታታ እናልዕልካ ንኻሊእ ሕቶታት ከልዕሉ ብዝኽእሉ ገይርካ ምብርህራህ እዩ። ካብቲ ዘለናዮ ሓፁር ወፂእና ዝበለፀ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን ክንሕዝ ዘግብር፣ ኣብዚ ናይ ገዛ ርእሱ ኣበርክቶ ዘለዎ ትሕዝቶታት ምድላውን ቃለመጠይቕ ምግባርን እዩ ዕላማናን ኣካይዳንን ክኾን። ናይ ውራይና ቀንዲ ዕላማ ናይ ሓሳባት መሸራሸሪ መድረኽ(ፎረም)ኮይንካ ምግልጋል እዩ ካብ መጀመርትኡ።
ኣብዚ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ተቛሩፁ ዝፀንሐ ውራይና ብቐፃልነት እነልዕሎም ርእሰ ጉዳያት እንታይ ምዃኖም ገለ መርኣያታት ምልዓል ከድሊ እዩ። ዓበይቲ ሰብ ተመኩሮ፣ ሙሁራት፣ ፈላጣትን ሓለይቲ ዓዶምን ተጋሩ ኣብዚ ውራይና እንትነቕርብ ደጋጊምና ካብ ንሓቶም ሕቶታትን እነልዕሎም ርእሰ ጉዳያትን፡ ብቲ ሓደ ገፅ ከም መፋለጢ ኣንፈት ቀፅልቲ ትሕዝቶታትና ምእንቲ ክኾንን ተሳተፍትን መንበብትን ውራይና ቅድመ ምድላው ክገብርሎምን ክሓስብሎምን ምእንቲ፥ ብኻሊእ ገፅ ድማ ካብ ተኸታተልትና ኣብ ውራይና ክልዓሉ ዝግብኦም ቀንዲ ዛዕባታት ሓሳብን ምኽርን ምእንታን ክመፀና መበገሲ ዝኾኑ ቅሩብ ዝርዝር ኣቢልና ኣብዚ ሕታም ክነቕምጥ።
ቀዳምነት ካብ ዝወሃቦም ሕቶታት
1) ንምንታይ ናብዚ ፅንታዊ ዂናት ኣቲና? ቀንዲ ሱር መንቀሊ እቲ ፅንተታዊ(ጀኖሳይድ) ኲናት ትግራይ እንታይ እንታይ እዮም? እቶም ዋና መላፍንቲ ተኣዋሳእቲ(actors) ሓይልታት መንነቶምን ባህሪኦም እንታይ እዩ? ከመይ ይግለፅ? ትግራይ ንዚ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ ኸ? ንምንታይ ዘገመተቶ? ንምንታይ ዘይታደለወት?
2) ትግራይ ሐዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣላ? ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ከመይ ይግለፅ?
3) ሐዚ ዘለውና መድረኻዊ ሕቶታት ንምርዳእ ኮነ መፃኢና ንምንፃር ሕሉፍና ምፍታሽ ኣገዳሺ እዩ እሞ፥ ከም ተጋሩ፡ ሀ) ኣብ ናይ ነዊሕ እዋናት ቃልስናን ጉዕዞናን ዝሰራሕናዮም ወይ እናደጋገምናዮም ዝመፃእና ጌጋታት ፈቲሽናዮምዶ? እንታይ እንታይ እዮም? ለ) ኣብቲ ጉዕዞና ዘዋህለልናዮም ክነማዕብሎም ዝግበኣአና መለልዪ ክብርታት ወይ ጥንኩር ጎንታት ከ?
4) ንምንታይ ኢና ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመታት ኣብ ዕንክሊል ኣቲና ዘለና? ንምንታይ ብተደጋጋሚ ናይ ህልውና ሕቶ ይግጥመና ኣሎ? በቢትውልዱ ኣብ ኲናትን ጎንፅን ዘንብረና ዘሎ እንታይ እዩ ምኽንያቱ?
5) ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ብሉፅ ተራ ተፃዊቱ ደርጊ ተደምሲሱ ‘ንዓና ዝኸውን ስርዓት ተሃኒፁ’ ተባሂሉ፣ ግን ሐዚ ተመሊስና ዝብኣሰ መፂኡ ንፅንተት ተቓሊዕና። ዘይተመለሱ መዋቕራዊ ሕቶታት ስለ ዘለው ድዩ ወይስ ንሶም ተመሊሶም ግን ግድን ክመፅእ ዝግበኦ ስለዝነበረ/ ስለዘሎ እዩ ሐዚ መሊስና ናብዚ ውግእ ኣቲና? ብስሩ ካብዚ ዕንክሊል ክንወፅእ ንኽእል ዶ? ከምዙይ ዝበለ ፈተና ከየጋጥመና ምግባር ንኽእል ዶ?
6) ከም ተጋሩ ኣብዛ ኢትዮጵያ ትብሃል ሃገር ዝህልወና ዕድል ከመይ ይኹን? እቲ ሐዚ ዝርአ ዘሎ ይኹን ሱር ዝሰደደ ተፃብኦታት እዛ ሃገር ንዓና ትርጉሙ እንታይ እዩ ከመይ ንርኣዮ? መፃኢ ዕድል እታ ሃገር ብስሩ ናበይ እዩ፣ ንሕና ኸ ኣብኡ እንታይ ንገብር? ከመይ ኢና ንባዕልና ‘ፖስሽን’ ክንገብር ዝግባእ? ብስሩ ኸ ውሕስናና እንታይ እዩ ኣብዛ ሃገር? መዋፅእ ኣለዎ ዶ?
7) ምስዚ ተኣሳሲሩ ከም ተጋሩ ኣንፈት ጉዕዞና እንታይ ይኹን? ብሄራዊ ረብሓና እንታይ እዩ ብኸመይ ይነፀር? ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ግልፂ ዝኾነ ብሄራዊ ረብሕኡ ከነፅር ስለ ዘለዎ እዩ፡ እሞ እንታይ ክንገብር ኣለና፡ እንታይ ዕድላት ኣለውና እንታይ ፈተናታት ከ ኣለውና? ከመይ ንፈትሖም?፡ ድሕሪ ሐዚ ዝህልወና ኣንፈት ቃልሲ ንኢትዮጵያ ዶ ንባዕልና? ኣብ ማእኸል ዓዲ ዝህልወና ናይ ቃልሲ ስልቲ ኸ? ምስ ኢትዮጵያ ዝህልወና ርክብ ከመይ ይኹን? ትግራዋይነትን ኢትዮጵያውነትን ከመይ ንርኣዮም? ማሕበረሰብ ትግራይ ትግራዋይ ኣጀንድኡን ናይ ኢትዮጵያ ኣጀንድኡን ከመይ ይርኣዮ?
8) መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ይረጋገፅ?
9) ጂኦፖሊቲካዊ ኩነታ እዚ ኸባቢ ኣብ ግምት ብምእታው ኩነታት ልዕለ-ሓያላን ዓድታት(ዓለም) ንዓና ብዝለዎ ትርጉም ዓይኒ ከመይ ይርአ? ኣብ ከባቢና ዘለው ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ እንታይ ይመስል? ካብምንታይ እናተበገስና ወይ በየናይ መነፅር ንርኣዮ? ምስ ኣየነዎት ሓይልታት ከ ምሕዝነት ክንፈጥር ይግባእ ብኸመይ?
10) ምስ ኤርትራ ብዝምልከት ክህሉ ዝግብኦ ኣጠማምታን ኣከያይዳን እንታይ ይኹን? ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ኸ?
11) መፃኢ ዕድላትና ስግኣታትናን እንታይ እዮም? ዘለዉና ጥንካረታትን ሕፅረታትን ?
12) ናይ ሓፅር እዋን ሉኡኻትና እንታይ ይኹኑ? ናይ ማእከላይን ነዊሕን ከ?
13) ንኹሉ ባህግታትና ንምፍፃም ግደ መርሒነት ወሳኒ እዩ እሞ፡ መሪሕነት ከመይ ይህነፅ፣ ከመይ ንህነፅ? መሪሕነት ብስሩ እንታይ እዩ? ህዝባዊ ዝብሃል ፅቡቕ መሪሕነት ከመይ ይልካዕ? ስትራተጂክ መሪሕነት ብኸመይ ይግለፅ? ‘ኪሪታካል ማስ’ (መሪሕ ለውጢ) ከመይ ንሃንፅ?
14) ብናይ ነገራት ኣገዳስነት ቀደም ስዓብ ሪኢኻ ሐዚ ኣብ ትግራይ እንታይ ክግበር ኣለዎ ንኹለመዳያዊ ምርግጋእን ሕውየትን? ብስሩ ለውጢ መን እዩ ዘምፅኦ ብኸመይ እዩ ዝመፅእ?
15) ኣብዚ ዓዲ ክህልው ዝኽእል ‘ሴናርዮስ’ እንታይ እንታይ እዩ?
ብቐፃልነት ብቐንዱ ካብ ንድህስሶም ርእሰ ጉዳያት
መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ዝፈትሕ ኣንፈትን ፃዕርን፡ ዘለዉ ኩለመዳያዊ ቅላውላዋት ክፍትሑ፣ ህቶ ልእላውነት ግዝኣት ትግራይ ክምለስ፣ ሰላም ምርግጋእን ምዕሩይ ምሕደራን ክህሉ ወዘተ ቐዳምነት ንህብ
ሕውየትን ዳግመህንፀትን ትግራይ ዘቐድም ዕማምን ዛዕባን ይህሉ።
ምፍሻልን ምምካትን ኣንፃር ትግራይ ንዝመፁ ፀለመታት፣ መጥቃዕትን ሓደጋን። ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ንምድያን ከምኡ እውን ንምስራቕ ዝተፀሓፉ ፅሑፋት እናፈተሽካ በቢግዚኡ ምቅላዕን ምምካትን። ብቢግዚኡ መራሕትን ተቓለስትን ትግራይ ንምፅላም ዝፈሓሱ ውዲታት ብሓቃዊ መረዳእታትት ምሙጓትን ምፍሻልን። ብኹለ መዳይ ንቑሕ ኮይንካ ብምክትታልን ብባዕልኻ ጠንካራ ምትእስሳር ብምፍጣርን ዋላ ሓደ ትግራዋይ ብትግራዋይነቱ ምኽንያት ዘይጥቀዕሉ ኩንታት ንምፍጣር ምፅዓር።
ኩለመዳያዊ ዝላ እነረጋግፀሉ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ምቅፅፃል።
ኣብ ለውጢ ኣተሓሳስባ ጠመተ ንገብር ፡-እቲ ኣንፈት ስራሕና ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክመፅእን ሓዱሽ ሓሳብ ምምንጫውን ዝዓለመ ይኸውን። ሰብ ህይወቱን ተግባሩን ዝምራሕ ኣብ እእምርኡ ብዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ መጠን ዕምቆትን ስፍሓትን እዩ። ሰብ ክእለት ምሕሳብ ዘለዎ ፍጡር እዩ። እንትሓስብ ይሓትት፣ ይምልስ፣ የመዛዝን፣ ይግንዘብ፣ የገናዝብ፣ ይግምት፣ ይከራኸር፣ ይመራመር፣ ይትንትን፣ ይፍትሽ፣ ይፈጥር፣ ይውስን ወዘተ። እዙይ እንትገብር ዋና ዕላምኡ ህይወት ብፅቡቕ መንገዲ ንምምራሕን ንምምዕባልን እዩ። ፀገማት ምእላይ፣ ዕቤትን ማቻን ምምፃእ ዝከኣል ትኽክለኛን ብሱልን ብዝኾነ ኣተሓሳስባ፤ ረዚን፣ ዕምቆትን ስፍሓትን ዘለዎ ምኽንያታዊን ጠቓምን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ምሓዝ እንትከኣል እዩ። ዘይምኽንያታዊን ዘይበሰለን ኣተሓሳስባ ዕቤትን ማቻን ወዲ ሰብ ዘሰናኽል እዩ። ሰብ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ ንባዕሉ ጎይታን ባርያን ክገብር ይኽእል። ከም ክፍኣትን ተንኮልን፣ ትዕቢትን ፅለኣትን ዝበሉ ኢ- ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባታት ንባርነትን ውድቀትን ይዳርግዎ። ብግልባጡ ምኽንያታውንትን ቅንዕና ዘለዎ ኣተሓሳስባ ድማ ንወድሰብ ማቻን ዕውት ህይወትን የምፀአሉ። ንዛ ዓለም ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ዝፈታተና ናይ ወድሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነትን ስስዐን እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ካብቶም ኣብዛ ምድሪ ዘለው ጎዳእቲ ነገራት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ስለዚ ንቐደም ልዑል ጠመተ ክንገብረሉ ዝግበኣና ዓውዲ ኣተሓሳስባና ምህፍታም እዩ። “ኣታሓሳስባና እንተሃፍቲሙ ወዮ ድኽነትናስ ሽዑ ኣኽቲሙ” ኢሉ ኣብርሃም። ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ንምጉልባትን ርኡይ ዝኾነ ልውጢ ኣርኣእያ ንምምፃእን ዝዓለመ፣ ጭቡጥን እውናውን ፀገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ድሌትን ፍልጠትን ሕብረተሰብ ዝተመስረቱ፣ ማሕብረሰባዊ ክብርታቱ መዝሚዞም ሕብረተሰብ ንልምዓትን ምዕባለን ክልዕዓል ዝገብሩ፣ ንጥንኩራት ክብርታት ዘበራትዑን ዘጎልብቱን፣ ንዱኹማት ልምድታት ድማ ዝእርሙን ዘሰኩኑን፣ ብሓፈሻ ንሕብረተሰብ ናብ ዝልዓለ ብራኸ ዘዝልሉ ምድላዋት ይህልው። ሞተር መሰረታዊ ለውጢ ውልቀ ሰብን ሕብረተሰብን ሕቶ እንበር መልሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሕቶ ንቐፃሊ ናብ ዝለዓለ ምዕባለ ዝመርሕ ኣብርሆ ዝፈጥርእ ዩ፣ መልሲ ግና ኣብ ዘሎ ንቕሓት ተደሪኹ ንዘሎ ህልው ኩነታት ከምዘለዎ ንኽቕፅል ዝገብር እዩ። እንገብሮ ትንተና ንባዕልና ከሰጋግረናን ኣብ ካልኦት ድማ ምርመራ ዘበግስ ክኸውንን ኣለዎ።
ብዋናነት ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት ትግራይ ነድህብ (ኢኮኖምያዊ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ልምዓት…) ፤ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ልምዓት!
ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኣብ ድሌት ህዝቢ ተተርኢሱ ዝበለፀ ረብሓ ንህዝቢ ዘምፅእ፣ ቀንዲ ተግባሩ ንዕብየትን ምዕባለን ህዝቢ ዝጠቕሙ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ምልላይ፣ ምስትምሃርን ምልዕዓልን ይኸውን፡፡ ማሕልኾ ዝኾኑ ተግባራትን ኣርኣእያታትን (ኣብ ሕብረተሰብ ዘለው) ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣሰራርሓታትን ኣውዳድባታትን (ኣብ መንግስቲ ዘለው) ምልላይን ምምካትን፣ መፍትሒ ክረኽቡ ህዝቢ ዓይኑ ክኸፍት ፃዕሪ ይገብር፣ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ፣ ህይወቱን መነባብሮኡን ዝትንክፍ ክኸውን፣ ህዝቢ ባዕሉ ኸባቢኡ ክልውጥ ዝኽእለሉ መንገዲ ዘርእይ ፀገማት ከመይ ክፍትሑ ከምዘለዎም ዘመላኽት ይኸውን፡፡ ህዝቢ ኣብ ሓደሽቲ ንጥፈታት ልምዓት እናተሳተፈ፣ ተግባራዊ እናገበረ ዘርእይ ከምእውን ሰሪሑ ተጠቃሚ እንትኸውን፣ዝሐሹ ውፅኢታት ዘርእዩ ፍፃመታት ምንፅብራቕ፡፡ ቐዳማይ ትኹረቱ፡ ዕብየት ንምንታይ የድሊ፣ እንታይ ዓይነት ዕብየት፣ ኣበይ፣ ብምንታይ ኣገባብ እዩ እቲ ዕብየት ዝመፅእ? ይብል፡፡
ዘለውና ዓቕምታት ምልላይ፣ ምእካብ/ምጥርናፍ፣ ምውዳብ (taking stocks of what we have)፤ ሓዱሽ ዓቕምታትን ዕድላትን ምፍጣር፣
ምልላይ/ምፅናዕን ምዝርዛርን ፀጋታት ህዝቢ ትግራይ ንልምዓት፡ ፀጋታትና አብ Innovation, start-up, Entrepreneurship ባህሊ ምፍጣር ዘለዎም ፅልዋ። ንንግዳዊ መዓላ ክውዕሉ ዝኽእሉ ሃፍትታት ትግራይ ብቐፃልነት ምልላይ። ትግራይ ንምልማዕ ምችው እዩ፦ ጠንካራ ዝተወደበ ፀዋርን ሃርኳትን ህዝቢ፣ ቆራፅ በዓል ተሞኩሮ ተጋዳላይ፣ ብዙሕ ሙሁር መንእሰይን ዓብይን፣ ጉልበት ዘለዎ ፈጣንን ሃርኳትን መንእሰይ፣ ፅቡቕ ኣቀማምጣ ገፀ መሬት፣ ዝያዳ ሃፍታም መዓድን መሬት፣ ንባሕርን ንኣውሮፓን ቀረባ፣ ፅቡቕ ኢኮሎጂ፣ ብርክት ዝበለ ተፈጥረኣውን ሰብሰራሕ ቅያን ዘለዎ ንመስሕብ ዝምቹ፣ ጠንካራ ባህላዊ ማሕበረሰባዊ ክብርታት (ታሪኽናን ቅያናን ኩርዓት ፈጢሩን ሓቦ ኣትሒዙን ዓድና ክነልምዕ ኮነ ከም ፍልፍል ቱሪዝም ኮይኑ ይጠቕመና) ወዘተ።
ልዑል ቴክኖሎጂ (High-Tech) ናይ ምልማዕ፣ ምጥቃምን ምሻጥን ዓቅሚ ኣብ ምህናፅ፡ – ማለት ውን ናይ ጠፈርን ህዋን ቴክኖሎጂ፣ ናይ ሳይበር ድሕንነትን ምክልኻልን ቴክኖሎጂ፣ ባዮ ቴክኖሎጂ፣ ናኖ ቴክኖሎጂ፣ ኮምፒውተር፣ ሶፍትዌር፣ ቴሌኮምኒኬሽን ኢንዱስትሪ፣ ሳይበር ቱሪዝም፣ ናይ ዲጂታል ሚዲያ እንዳስትሪ፣ ናይ ታለንት ልምዓት ኢንዳስትሪ፣ ናይ ልዑል ዳታን ኮምፒውቲንግን ፕላትፎርም ከምኡውን ጂኦስፓሻል ሓበሬታ ኢንዳስትሪ መረጃን ሲሙሌሽንን ኢንዳስትሪ ወዘተ ዝሓውስ እዩ፡፡
ንልምዓትን ኢንቨስትመንትን ምችውን ስሉጥን ምሕደራ/e-government፡- ዘለው ኣስራርሓታት ምምርማርን ብቴክኖሎጂን ፍልጠትን ትሓጊዞም ክመይ ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎት ይህቡ
ምህናፅን ምምዕባልን ጠንካራ ናይ ፋይናንስ ትካላት
ህንፀት ትካላውነት ወዘተ
ህንፀት ነፃ ሚድያ፣ ህንፀት ጠንካራን ነፃን ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት፣ ምዕሩይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ወዘተ
እዚታት ብዕምቆት ንምድህሳስ ኣብ ቃልሲ፣ ኣብ ምምራሕ ኣብ ትምህርትን ምርምርን ወዘተ ልዑል ልምድን ፍልጠትን ዘለዎም ሰባት ቀፀልቲ ቃለመጠይቃት ብምግባርን ፅሑፋትን ትንታነታትን ብምድላውን ነሳልጦ ይኸውን። ዝኾነ ግዱሽ ትግራዋይ ብዘይምን ገደብ ኣብዚ ኣብ ውራይና ሓሳቡ ብዝደለዮ ኣገባብ ከካፍል ንፅውዕ። ረብሓን ጥቅምን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ዝሃበ፡ ንኽብሪ፣ ድሕንነትን ህልውናን ትግራይ መሰረት ዝገብር ካብ ዝድላዩ ኩርናዕ ይምፅእ ነተኣናግድ ኢና። ነመስግን።
interesting
very nice