ጉዕሽ ወዲ ኣንከረ

እንተዘይንፅሕፍ ክንደይ ደስ ምበሎም። እንተዘይንዛረብ’ውን ደስ ምበሎም። እታ ዘላ ከምዘላ ክትቅፅል ደስ ይብላቶም። ዘረባን ፅሑፍን ከም ጦር ዝፈርሑ ሰበስልጣን ተፈጢሮም። እንተተዛሪብናን አንተፅሒፍናን፤ ነታ መጎድእ  ቁስሊ ዝኾነት ሰልጣኖም  ግራጭ ከምእንሰደላ ስለዝፈርሑ፤ ሰብ ስቕ ንኽብል ዝሃቡ ሂቦም ይጥብርዎ።  ዘመነ ዕዝምዝም፤ ዘመነ ድንዛዘ፤ ዘመነ ኣፍ ኣፍ ልጓም ክምስርቱ ዘይፈንቀልዎ ጉዕር የለን። ንሕና ግን ሰብ ደቂ ሰብ ኢና’ሞ ከይፀሓፍናን ከይተዛረብናን ክንድቅስ  ዘበት ኣይንኽእልን። ሓደ ክስጉም ብርኩ ሒዙ  እቲ ሓደ  ድማ ክቕይድ ምራን ቀደም ሒዙ ኣብ ቀራና መንገዲ ዝተፋጠጡሉ ዘመን።  መን ከምዝስዕር ጊዜ ሓያል ዳይና ክፈርድ እዩ። ስለዚ  ክንፅሕፍ ኢና።  

Front 36 1

 

ብጌታቸው ኣረጋዊ

ግእዝ፣ ብሄረ ኣግኣዝያን፣ ትግራይ-ትግርኚ፣ ኣግኣዝያዊነት፣ ማሕበር ኣሕዋት ኣግኣዝያን፣ ኣግኣዝያን ሪፐብሊክ/ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ወዘተ

ክሳብ ቀረባ እዋናት (ብፍላይ ኣብ ዓድና) ማሕበራዊ ሚድያ ከም ቁምነገር ገይርካ ዝውሰድ ኣይነበረን። ብፍላይ ከዓ እኒ ፌስቡክ ስቕ ኢልካ ናት ተራ ወረን ጠራዕራዕን ገይርካ ዝረኣየሉ እዩ ነይሩ። ሐዚ ግን ዋላ እኳ መሊእኻ እትምሕለሉ ፅሩይን ሓላፍነት ዝወሰደሉን መድረኽ ተዘይ ተበሃለ፣ ቁምነገር ዘለዎም ከበድቲ ዛዕባታት ኣልዒሉ ኣብ ሕብረተሰብ መዘራረቡ ኣብ ምግባር ግን ተርኡ ልዑል የኸውን ኣሎ። ብፍላይ መንኣሰይ ትግራይ እዚ ዓውዲ ብደንቢ ዝጥቀምሉ ዘለው ይመስሉ። ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝለዓሉ ጉዳያት ከም ቁምነገር ወሲድካ ክዝተየሎም ዘለዎ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ምብፃሕ ይከኣል።

Front 33

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብዛ ሃገር (ካብ ክልል ናብ ክልል እኳ ዝፈላለ እንተኾነ) ክንሪኦ ዝፀናሕና ቅልውላውን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ከይዱ ከይዱ ብቲ ንቡር ከይዲ ክፍታሕ ስለ ዘይከኣለ፤ መንግስቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብምእዋጅ ኮማንድ ፖስት ኣጣይሹ ናብ ኣንፃራዊ ሰላምን ምርግጋዕን መሊስዎ ኣሎ።

 “ክንቃለስ ኢና ዝመፃእና እምበር ማእከላይ ኮሚቴ ክንከውን ኢልና በረኻ ኣይወፃእናን” ፣ ንሓደ ውድብ ጥራይ ተኣማኒ ምዃን ዘላቂ መፍትሒ ኣየምፅእን፣ ሓድ ውድብ ረብሓኻ ከረጋግፀልካ እትጥቀመሉ መሳርሒ ስለ ዘኮነ ረብሓኻ ክሳብ ዘረጋገፀ ኢኻ ተኣማኒ/ሎያል እትኾነሉ”

ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)

image 0 02 05 c6c91deb7a11c41fb940bf4a88a52b588174df94150cf0a51c7ed53eeffe23a2 V 1

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝኒሀ ናይ ዓድና ኩነታት እንታይ ይጠልበና ኣሎ ኢልና እንተሓቲትና ነፃ ኮይንካ ምዝርራብን መፍትሒ ሓሳባት ምንዳይን ዝብል አዩ ግቡእ መልሲ ክኾን ዝኽእል። ብርክት ዝበሉ ሰብ ተሞኩሮ “መፍትሕታት ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገማት” ኢሎም ካብ ዝፍንውዎም ዘለው ነጥብታት እቲ ዝዓዘዘ ሚዛን ዝወስድ “ኩሎም ሓይልታት ብሓባር ዝዝትዩሉ መድረኽ ምፍጣር” ዝብል እዩ። እዙይ ንምግባር ድማ ነፃ መድረኽ ዝፈጥራ ነፃ ትካላት ወይ ውዳብታት ክህልዋ ግድን ይብል። እቲ ሃገራዊ ኩነታት ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ እንተዘይተኸይዱ፤ ኢህወደግ ብዝገብሮ ፃዕሪ ጥራይ ክፍታሕ እዩ ዝብል ተስፋ ዘለዎ ለባም የልቦን። ንህልውና ዓድን  ምርግጋፅ ዘላቒ ረብሓ  ህዝብን ክበሃል ድማ ክትግበር ዝግበኦ አዩ። እዙይ ንመራሒ መንግስቲ ዝኾነ ኢህወደግ ጥራይ ዝሕደግ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ዜጋ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ዝከኣለና ክንገብር ይግባእ።

ተጋዳላይ ስዩም መስፍን፦

 

ውራይና፦ እቲ ሐዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፀገም ምንጩን እንታይነቱን ብኣኻ ከመይ ትገልፆ?

ተጋዳላይ ስዩም መስፍን፦ ንቐደም እቲ ፀገም ንብሎ ዘለና እንታይ እዩ፣ ናይ ሓባር ምርድዳእ ኣለና ዶ ዝብል ምርኣይ ከድልየና እዩ ቅድሚ ናብ ምንጩ ምኻድ። ስለዚ ዘጋጥሙና ዘለው ፀገማት እንታይ ይመስሉ? እንታይ ከ እዩ ባህሪኦም፣ ኣሰላልፈኦም? ኢልካ ምርኣይ እዩ ፅቡቕ ዝመስለኒ። ኣብ ሃገርና ኩላትና ከምንሪኦ ዘለና ህንፀት ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ድማ ብመሰረቱ ብፅቡቕ እናኸደ እዩ፤ ይዓቢ ኣሎ፣ ይምዕብል ኣሎ ዋላ እቲ ፖለቲካዊ ጉዕዞ። ፌደረራላዊን ዴሞክራስያዊን ናይ ስርዓት ጉዕዞ ኢልና ኣለና። ህወሓት/ኢህወደግ ሒዝዎ ዝተበገሰ ዕላማ ኣሎ። ምስ ደርጊ 17 ዓመት ዝተቓለሰሉ ምኽንያት እቲ ስርዓት እቱይ ከይኣፍረስካ ኣንፃር ድኽነት ዝካይድ ቃልሲ ምግባር ስለ ዘይከኣል እዩ። ናይ ህዝብታት ሓድነት ኣብ ምፍቕቓድ ዝተመስረተ ሓድነት ብዘለዎ ምቕፃል ዘይከኣል ስለ ዝነበረ እዩ። ንዙይ ብሓይሊ ኣወጊድካ ንቲ ንኸዶ ዘለና ስርዓት ንምህናፅ እዝኹሉ ዝተኸፈለ። እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ እዙይ እዩ ነይሩ ብዓወት እውን ተዋፂእናዮ።

siyum

 

ስለዚ ምስተዓወትና ክንገብሮ ዝነበረና ኣብ ሃገርና  ናይ ብሄራትን ብሄረሰባትን ማዕርነትን ሓድነትን ክነረጋግፅ ነይሩና። እዙይ ብናይቲ ህዝቢ ድሌት መሰረት እዩ። ሓደ ልዑል ሓደ ትሑት፣ ካልኣይ ዜጋ ሳልሳይ ዜጋ ዘይብሉ ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓባር ድሌቶምን ረብሐኦምን፣ ኣብ ምክብባርን ምድግጋፍን ዝተመስረተት

ውራይና፦ ብምልላይ ዶ ክንጅምር?

ኣብርሃ ደስታ፦ ዝተወለድክሉን ዝተምሃርኩሉን ኣብ ሓውዜን እዩ። ዓዲ ግራት እውን ተማሂረ። ኣብ መቐለ ሃፀይ ዮሃንስ እውን ተማሂረ። ካብኡ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ፖለቲካል ሳይንስ ተማሂረ። ቀፂሉ እውን   መቐለ ዩኒቨርስቲ ዲቨሎፕመንት ስታዲስ ተማሂረ።   ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ይሰርሕ። ካብኡ ፒኤች ዲ እናተምሃርኩ እናሃለኹ ተኣሲረ።20161001 153049 1

ውራይና፦ ሕዚ እቲ ናይ ፒኤችዲ ትምህርትኻ ክትቕፅሎ ዲኻ? ከመይ እዩ?

ዉራይና፦ፅቡቅ እምበኣር ተጋዳላይ ፍስሃ ዘሪሁን ኣብ ናይ ቃልሲ ተመኩሮኻ መሰረት ጌርና ኣብዚ ሕዚ ዝኒሄ ወቕቲ ሓደ ሓደ ሓሳባት ንምሕላፍ እዩ። ካብ ውልደትካን ኣተዓባብያኻን ንጀምር እሞ ናብቶም ሓሳባት ክንኣቱ።

ፍሳሃ ዘሪሁን፦ ኣኽሱም እየ ተወሊደ።ዳረጋ ሽድሽተ ዓመት ምስ ገበርኩ ምስ ቤተሰብ ጎንደር እየ ተማሂረ።  ቀዳማይ ብርኪ ወዲአ ብድሕሪኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማሂረ። ብድሕሪኡ ግን ካብ ዓሽራይ ክፍሊ ጀሚረ ድማ ኣብ ኣኽሱም ናብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ምስ ሓለፍኩ ድማ ዳረጋ ኣይተማሃርክዎን ሜዳ ወሪደ ማለት እዩ። እዙይ እዩ እቲ ኣታዓባብያይ።

                                                                                            ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል


ውራይና ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ምስ ክቡር ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል ምክትል ኣቦመንበር ህወሓት፣ በም/ቀዳማይ ሚኒስትር ማዕረግ መተሓባበሪ ጉዳያት ክላስተር ፋይናንስን ኢኮኖሚን ሚኒስትር መራኸብን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ዝተገበረ ቃለ መጠይቕ ንመንበብቲ ኣቕሪባ ኣላ፤ ሰናይ ንባብ!

debrits

ኩሎም ካልኦት ሸግራት ካበዚ ዝፍልፉልን ንዐኦም ብምፈታሕ አቢለካ ዝመዓራረዩን እዮም፡፡

 

ብአበበ ተክለሃይማኖት (ሜጄር ጄኔራል)

ምዕቡልን ዘበናዊ ዝበሃል ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ህንፀት ሓዳሽ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ፤፤  ሰላም ንምምፃእ ብዙሕ ፃዕሪ ተገይሩ፣ ዛጊድ ኣብ ሰላም ዝሰአነ ቀርኒ ኣፍሪካ ናይ ሰላም ተምሳሌት ዝኾነት ሃገር ምባል ተጀሚሩ አሎ። ቑልጡፍ ዝኾነ ልምዓት ብምምፃእ ካብተን አብ ዓለም ዝግስግሳ  ዉሑዳት ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ።  እቲ ዴሞክራስያዊ አተሓሳስባ

IMG 1827

ሙሉጌታ ገብረሂወት (ጫልቱ)

ተ/ፕሮፌሰር

ካብ ቀረባ ግዘ ጀሚሩ  ከም እኒ ጀነራል አበበን ጀነራል ፃድቃንን ዝበሉ ነባራት ተጋደልቲ አብ ዓድና ዘሎ ፀገም ከመይ ምርዳእ ከምዚግባአ፤ ምንጪታቱ እንታይ ክኾኑ ከምዝኽአሉን ንምፍትሑ ክግበሩ ይግብኡ ኢሎም ዝሓስብዎም ነገራትን ብፅሑፍን ብቃለ ምልልስን ምግላፅ ምጅማሮም ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ነዚ አመልኪቱ ገሊኡ ትግራዋይ ፅቡቅ ጌይሮም እዚ ተበግሶ እዚ ነቲ ሽግር አብ ምትንታንን መፍትሒ

Mulugeta Gebrehiwot

ውራይና፦ ንመጀመሪ ዝኣክል ኣብ ቀረባ እዋን ዝፀሓፍካዮ ፅሑፍ ነይሩ። ኣብ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሚድያ ዓብዪ መዛራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዘሎ እውን ይፍለጥ። ብዝተፈላለዩ መንገድታት ርእይቶታት መፂኦሙኻ ክኾኑ ይክእሉ እዮም እሞ ኣብኡ ተመስሪትካ

Front 30

ዘተ ዝዕድም ኣገዳሲ ዛዕባ

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ - ነሓሰ 2008 ዓ.ም

ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ወይን፡ ኣብ ቀዳማይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሕርሻ ብዝመርሖ ኢንዳስትሪ ኣቢልና ኢና ክንጓዓዝ ፀኒሕና። ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን

ስገግርን ካብቲ ዝመፃናዮ ኣንፈት ዲና ክንቕፅል ወይስ ሓዱሽ ኢኮኖሚያዊ ፖሊሲ ክንክተል ኢና? ብኻሊእ ኣበሃህላ ሕርሻ ካብ ዝመርሖ ኢንዳስትሪ፣ ኢንዳስትሪ ናብ ዝመርሖ ሕርሻ ብምስግጋር ኣንፃር ኣብ ከመይ ዝበለ ብርኪ ድልውነት ኣለና?

ኣይተ ኣባይ ወልዱ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኢንዳስትሪ ናይ ሕርሻ መሪሕነት ተቐቢሉ ክኸይድ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ናብ ከምኡ ዝበለ ኩነታት በፂሕና ኢና እውን ኣይንብልን። ስለዚ መሪሕነት ሕርሻ ክቕፅል እዩ። ኢንዳስትሪ ቅድሚ መሪሕነት ምርካቡ ንኢንዳስትሪ ዝምቹ ኩነታት ክፈጥር ዘለዎ ሕርሻ እዩ። ኣብቲ ቀፂሉ ዘሎ ካልኣይ “ጂቲፒ” ግን ኢንዳስትሪ ናይ ሕርሻ መሪሕነት እናተረከበ ዝኸደሉ ኩነታት እዩ ክህሉ። (ወይን ጋዜጣ፣ መስከረም 2008 ዓ/ም: ገፅ 11 http://woyengazeta.org/images/pdf//New%20year%202008%20megazine1-60.pdf)

ዝተረጋገአን ዝማዕበለን ስርዓት ምህናፅ…….

 

ብናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ መሰረት፤ ህዝቢ መመሓደርቱ ብምምራፅ መንግስቲ ይምስርት፡፡ መንግስቲ ህዝቡ ዘመሓደረሉ ሕጊ የውፅእን የፈፅምን፡፡ ህዝቢ መመሓደርቱ ክመርፅ እንከሎ መንግስቲ ብዘውፅኦ ሕጊ ነገር ግን ባዕሉ (ህዝቢ) ዝኣመነሉ ወይ ዝተስማመዐሉ ሕገ-መንግስቲ ንክመሓደር እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝቢ (ነሓሰ 2008 ዓ.ም የተባበሩ መንግስታት ብዘውፅኦ መረዳእታ መሰረት) ዘለዋ ሃገር ከምምዃና መጠን ዝተፈላለየ ባህልን ናይ ዕብየት ደረጃን ዘለዎም ህዘቢታት ዝሓቖፈት ሃገር እያ፡፡ ስለዝኾነ ድማ፤ ህዝቢታት ወይ ድማ ግለ ሰባት ሕጊ ዝጥሕሱ፤ ዓቕሚ ብምንኣስ ክኸውን ይኽእል ወይ ድማ ስለሃገሮምን ሕገ መንግስቶምን ግዲ ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ምክንያቱ ኣብ ሃገርና ኣሽንኳይዶ ተራ ህዝቢ፤ ፖለቲካዊ መራሕቲ እውን  ናይ ህዝቢ ንቑሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ፤ ኣብ ናይ ሃገር ዕብየት ዘለዎ ዕዙዝ ተራ፤ ኩሎም ሓደ ዓይነት ግንዛበ ከምዘይብሎም ካብ በቢኸባቢና ዘለው ኣመሓደርቲ ምዕዛብ ይከኣል እዩ፡፡