ከስታናይን ኣስላማይን፣ ኣንስታይን ተባዕታይን፣ ንእሽተይን ዓብዪን፣ ደቂ ቐደምን ደቂ ሎምን፣ ህልውን ምዉትን እንተይተፋላለኻ ታብ ኣሞራታት ክሳብ ሳሞራታት፣ ታብ ማርታታት ክሳብ ኣግኣዚታት፣ ታብ ስየታት ክሳብ መለሳት፣ ታብ ንግስተ ሳባታት ክሳብ ቀሺ ገብሩታት፣ ታብ ኣሉላታት ክሳብ ሰዓረታት፣ ታብ ማንጁሳት ክሳብ ኣቦይ ስብሓታት፣ ታብ ሓጎስ መሬት ፀበቦታት ሱባጋድሳት ክሳብ ብላታ ሃይለማርያማት፣ ታብ ኣረጋዊታት ግደያት ክሳብ ኣረጋሻት ገብሩታት ኣብርሃታት ኩልኻ ህዝቢ ትግራይ ሓደ እንተይወሓደ ታብ ጫፍ መሬት ክሳብ ጫፍ መሬት ዘለኻ ተከዘን መረብን፣ ቀይሕ ባሕርን ህንዲ ውቅያኖስን፣ ሸንቋሕ እምባን ሰጣሕ መይዳን ዘይዓግቶ ሰላምታይ ይብፃሕኻ፡፡

እዛ ፅሕፍቲ እምባኣርስከ ለማቕነ ካብ ዝተሰምዓኒ ጓህን እህህታን ተበጊሰ ነቲ ኩሉሻዕ እትፈልጦን እትሓስበሉን ውራይ መንነትካን ታሪኽካን ኣመልኪተ ሓዱሽ ሓሳብ

ክነግረካ እንተይኮንኩ እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና ኢለ? ክሓትት እየ ፅሒፈያ፡፡ ታብ እሙናት ፍልፍላት ሓበሬታ ከም ዝረኸብኩዎ ምስቲ ዓሚቝ ዕማም ተሃድሶ ተታሓሒዙ ለማቕነ ታብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ መንግስቲ ወቕታውን ሃገራውን እዮም ኣብ ዝበሎም ርእሰ-ዋኒናት ንብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ዳያኑን ዓቀብቲ ሕግን ናይ ስልጠናን ተሃድሶን መድረኻት ምይጥ ኣካይዱ ነይሩ ኢሎሞ፡፡ እዞም ርእሰ-ዋኒናት እዚዛቶም ኣይድገምን፣ ወያነ ቐለም (colour revolution)፣ ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ ህገ-መንግሰታ ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ፣ እቲ ዝመፀእ ግዜ ንኢትዮጵያ ብሩህ እዩ፣ ግደ መናእሰይ ኣብ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዝብሉ ያ እዮም ነይሮም፡፡ ኣፍቶም ርእሲሰ-ዋኒናት ኣመልኪቱ ንምይጥ ዝኾኑ ዝቐረቡ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ያ ነይሮም፡፡ ካብቶም ሕቶታት፡-                 

  1. ልዕልነት ትግራይ ኣሎ ዶ ወይስ የለን? ኣሎ ዝባሃል እንድሕር ዳኣ ኾይኑ እንታይ እዩ እቲ ዘሎ መን ከ የልዕሎ? የለን ዝባሃል እንድሕር ዳኣ ኾይኑ ንምንታይ እዩ ዝለዓል መን ከ የልዕሎ ?
  2. ህ.ወ.ሓ.ት. ወሰንቲ ቦታታት ስልጣን ሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ዘይግቡእ ረብሓ ንኽርባሕ ገይሩ ዶ ወይስ ኣይገበረን? እወ ዝባሃል እንተኾይኑ ብኸመይ? ኣይፋሉን ዝባሃል እንተኾይኑ ንምንታይ እዩ ከምኡ ዝባሃል መን ከ እዩ ከምኡ ዝብል ?
  3. ትግራይ ናይ ካልኦት ክልላት መሬት ብወራር ሒዛ ዶ ኣይሓዘትን? እወ እንተተባሂሉ ኣበይ? ኣይሓዘትን እንተተባሂሉ ንምንታይ እዩ ዝለዓል መን ከ የልዕሎ?
  4. ተወለድቲ ትግራይ (ተጋሩ) ኣብ ካልኦት ክልላት ኣትዮም ብዘይኣግባብ ይጥቀሙ ኣለዉ ዶ ወይስ ኣፋሎምን?     እወ እንተተባሂሉ ብኸመይ? ኣይፋሎምን እንተተባሂሉ ንምንታይ ይለዓል መን ከ የልዕሎ?
  5. ኣባል ውድባት ወ.ዴ.ግ.ህ.ኢ. (ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ህዝብታት ኢትዮጵያ/ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ.) ናይ ህ.ወ.ሓ.ት. ተለጠፍቲ ድዮም? ተለጣፊ ኸ ታይ ማለት እዩ? ተለጠፍቲ እዮም እንድሕር ተባሂሉ ብኸመይ? ኣይኮኑን እንተተባሂሉ ንምንታይ ይለዓል መን ከ የልዕሎ?
  6. ህዝቢ ኦሮሞ ወፅዓ ባህልን ቋንቋን ይበፅሖ ኣሎ ድዩ? እወ እንተተባሂሉ ብኸመይ? ኣይፋሉን እንድሕር ዝባሃል ኮይኑ ንምንታይ እዩ ከምኡ ዝባሃል መን ከ እዩ ኸምኡ ዝብል?
  7. ህዝቢ ኣምሓራ መጥቃዕቲ ይወርዶ ኣሎ ድዩ? እወ እንተተባሂሉ ብኸመይ? ኣይበፅሖምን እንድሕር ተባሂሉ ንምንታይ ከምኡ ይባሃል መን ከ እዩ ከምኡ ዝብል?
  8. ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ኣምሕርኛ ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ስለዝኾነ ክልላት ኣምሕርኛ ናይ ምምሃር ግዴታ ኣለወን፡፡ ሓቂ ዶ ሓሰት? 
  9. ቋንቋ ኦሮሞ ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውን ዝኽእል ናይ ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ፍቓድ እንተረኺቡ ጥራሕ እየ፡፡ ሓቂ ዶ ሓሰት?

ዝብሉ ይርከቡዎም ነይሮም፡፡                  

እቶም ኣፍቶም ሕቶታት ዘለዉ ሓሳባት ሓደሽቲ ኣይኮኑን፡፡ ብዙሕ ግዜ ብመንግስታዊ መግለፅን መራኸብቲ ሓፋሽን እኳ እንተዘይኮነ ብካልኦት ፍልፍላት ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ዝሰማዕናዮም እዮም፡፡ ፀገም እንተልዩ ከም ፀገም ኣልዒልካ ምምያጥን መፍትሒ ምሕሳብን ፅቡቕ እዩ፡፡ ከምዚኦም ዓይነት ሕቶታት ብመንግስቲ ተቐሪፆም ንምይጥን ስልጠናን ዝበቕዑ ምዃኖም ሪአ ግና ብጣዕሚ ገሪማትኒ ኣላ፡፡ እዙይ ታይ ማለት እዩ እቶም ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ብትግራዋይ በደል በፂሑዎ እዩ፤ ትግራዋይ ግን ነጊሱ ተኸዲኑ ኣጋይፁ፣ በሊዑ ፀጊቡ፣ ሰትዩ ረውዩ፣ ኣብ ልስሉስ ደቂሱ፣ ተሓጒሱ፣ ጥዒምዎ፣ ኣንካእሲሱ ይነብር ኣሎ ታብ ምባል ሓሊፎም ትግራዋይ ከም ቁርዲድ ደምና ማፅዩና እዩ ዝብሉታ መስከርቲ ዘየለ፣ ተዛረብቲ ኽፉእን ፀዋዕቲ መከራን ተሰማዕቲ ኾይኖም ዛዕባ መንግስቲ እንትኾኑ ትግራይን ተጋሩን ግን ሕራሮት እንተሃለዎም እውን ንውሽጢ ነቢዖም ብተቓራኒ ግን ተረባሕቲ ምዃኖም ከም ቅቡል ዝውሰድ ዘሎ ምዃኑ ተዓዚበ ጉዕዞና ናበይ ገፃ እያ ኢለ ነዛ ባዕለይ ክሓትት ተገዲደ፡፡ እቶም ካብ 1-5 ታራ ቑፅሪ ዝተዘርዘሩ ሕቶታት ሓንቲ ነጥቢ እዮም ዝገልፁ፡፡

እታ ሓንቲ ነጥቢ ንሳ ድማ ትግራዋይ ተረቢሑ እትብል እያ፡፡ ብሱሩ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዝኒሀ “ፌዴራላዊ” ስርዓተ መንግሰቲ እንታይ እንታይ ኣወንታዊ ምዕባለታት ኣመዝጊቡ ኣሎ? እንታይ እንታይ ድኹማት ጎንታት ከ ኣለዉዎ? እቶም ፅቡቓት ምዕባለታትና ከመይ ገይርና ኣብሊፅና ነማዕብሎ? እቶም ዘለዉና ድኹማት ኣካይዳታት ከ ከመይ ገይርና ነማሐይሾም? ዝብሉ ሓፈሻዊ መማየጢ ሕቶታ ቀሪፅካ ምቕራብ ካሊእ ዘረባ እዩ፡፡ እንተድኣ ዘየለ ግና ትግራይን ተጋሩን ተረቢሖም ድዮም ወይስ ኣይፋሎምን? ዝብሉ ናብ ትግራይን ተጋሩን ኣፃብዕቶም ዘዋጣውጡ ሕቶታት ኣልዒልካ ናብ ሃገራዊ ምይጣት ምቕራብ ግን ብናተይ ኣረኣእያ ዘስተንክር እዩ እየ ዝብል፡፡         

“ብሓቢ ፀሊም ያ ዝተቐልወ ስጋስ ንበላዒኡ መረሮ ንሰማዒኡ ኣስተንከሮ” ይብሉ ዓበይቲ ዓድን ሊቃውንትን ትግራይ፡፡     

ኾነይ መነይ እቶም ህዝቢ ኣምሓራ ፍሉይ መጥቃዕቲ በፂሑዎ ዶ አይበፅሖን? ብሕገ-መንግስቲ ሃገርና ኣምሕርኛ ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ስለዝኾነ ክልላት ኣምሕርኛ ናይ ምምሃር ግዴታ ኣለወን ዶ የብለንን? ህዝቢ ኦሮሞ ፍሉይ ናይ ባህልን ቋንቋን ወፅዓን በፂሑዎ ዶ ኣይፋሉን? ቋንቋ ኦሮሞ ከመይ ኢሉ እዩ ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውን ዝኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ንሕዪ ብዙሕ ትኹረት እንተይሃብኩ ኣፍቲ ትግራይን ተጋሩን ተረቢሖም ዝብል ያኢ ሃገራዊ መማየጢ ኾይኑ ዝኒሀ ርእሰ-ዋኒን ግን ዝተሰምዓንን ክንዛረበም ይግባእ ዝበልኩዎምን ውራያት እኔዉና እዮም፤ ክንዛረበሎም ይግባእ፡፡ እዞም ወሰንቲ ነጥብታት እዚኣቶም ጥፍኣት ቋንቋናን ፍልሰት ዝብናን ከመይ ንከላኸል? ዝብሉ እዮም፡፡ እዞም ነጥብታት ህዝቢ ከም ህዝቢ ክንህሉ ዘድልዩናን ብጣዕሚ ወሰንቲ ስለዝኾኑ ኩልና ኣብ ዝሃለና ሃሊና ብሓደ ልቢ ክንሓስበሎም፣ ብሓደ ልሳን ክንዛረበሎም፣ ክንፅሕፈሎም፣ ክነንብበሎም ዝግባኣና እዮም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ መንነቱ ንኸኽብር ብዙሕ ዓመት ብዕጥቅን ብዘይዕጥቅን ተቓሊሱ እዩ፡፡ እዙይ ድማ ንዞም መንነታዊ ክብርታቱ ክሕሉ ዝተቃለሶ ቓልሲ እዩ፡፡      

ውራይ ምድኻም ቋንቋና ቋንቋ ትግርኛ (ዘረባ ትግራይ)

ኢትዮጵያ ዓዲ ብዙሓትን ዝተፋላለዩ ነናይ ባዕሎም ቋንቋን ካልኦት መንነታትን ዘለዎም ህዝብታት ስለዝኾነት ነዚ ኣፈላላይ እዙይ ሓቚፉ ዝኸይድ ሕብረ-ብሄራዊ “ፌዴራላዊ” ስርዓት ተጣይሹ እዩ፡፡ ግን ብተቓራኒ እቲ ንህዝብታት ከም መጨቆኒ መሳርሒ ዝጠቅም ዝነበረ ቋንቋ ኣምሕርኛ ታሪኻዊ ረብሓ ስለዝረኸበ ናይቲ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ስለዝኾነ ካልኦት ቋንቋታት ተዓብሊሎም ኣለዉ፡፡ ነዙይ ዝተቓወሙ ብዙሓት ንመንነቶም ዝግደሱ ምሁራት ደቂ ኦሮሞ ብዙሕ ስለዝፀሓፉሉን ስለዝተዛረቡሉን ብዙሕ ህዝቢ ኦሮሞ ተቐቢሉዎ በዚ ሎሚ ቋንቋና ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውን ይግባእ ዘይብሉ ደቂ ኦሮሞ ዳርጋ የለዉን፡፡ ብተቓራኒ ድማ ብዙሓት ካልኦት ህዝብታት ( ቁፅሮም ዘይናዓቕ ተጋሩ እውን ሓዊስካ) ብሃገር ለኸ ሓደ ዘረዳድኣና ጠማሪ ቋንቋ ስለዘድሊ ኣምሕርኛ ድማ ምስቲ ዝረኸቦ ታሪኻዊ ረብሓ (ዝሓለፉ ወፃዕቲ ስርዓታት ኣምሕርኛ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ልሳናት ቸቸ ኢሉ ክነግስ ስለዝገበሩ ማለት እዩ) ተታሓሒዙ ስለዝተመረፀ ፀገም የብሉን ዝብሉ ኣለዉ፡፡ ኣነ ዝገርመኒ ልዕሊ 86 ዝኾኑ ህዝብታት ሒዝካ ከመይ ገይርካ ሓንቲ ቋንቋ ከም መረዳድኢ ትመርፅ? ብሱሩ እኮ ወየ ነቲ ኣፈላላይ ዝሓቁፍ(accommodation)ስርዓት ክነጣይሽ ኣለና ተባሂሉስ ብዙሓት ቋንቋታት ሓምቲልካ ሓንቲ ቋንቋ እንተተዛሪብና ዳኣ ኣበይ ታትና ኢና ተሓቛቚፍና ዳኣ? ብሱሩ ተጋሩ ቋንቋና ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኾነልና ንደሊ ዲና ወይስ ኣይንደልን ዝብል ነገር ተፈልዩ ክፍለጥ ዘለዎ እዩ ዝመስለኒ፡፡     

ሓደ መዓልቲ ምስ ክልተ መሳርሕተይ (ተጋሩ ኣይኮኑን) እንትንዛረብ “ተጋሩ ዘይመጠኖም በዝሕን ወሳንን ስልጣን ሒዞም እዮም፣ ተጋሩ ብሱሩ ኣብዚ ስርዓት ዘይግቡእ ረብሓ ተረቢሖም እዮም” ዝብል ዘረባ ኣልዒሎም እንትዛረቡ “አረ ኣይፋሉን እቲ ዘረባ፣ ኣዋይ እኳ ተጋሩ ኣሽምባይ ዶ ዘይግቡእ ረብሓ ክንርባሕስ ቋንቋና ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ስለዘይኮነልና ንዕብለልን ንደክምን ኢሉ ኢሉ ድማኒ መንነትና ይሃስስን እዩ ዘሎ ዝብል ሕማም ውሽጢ ኣለና እዩ፣ እዙይ ድማ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣልዒልና ሕጋዊ ሕቶ ክነቕርበሉ ኢና” ምስ በልኩዎም “ትርግኛ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሕቶን ድሌትን ናይ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን፣ ናይካ ናይ በይንኻ ድሌትን ሕቶን እዩ፣ ንስኻ ድማ ኣሽንኳይ ዶ  ያ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ንዝተወሰነ ጉጅለ እውን ናይ ምውካል ስልጣንን ዓቕምን የብልካን” ኢሎም ማዓንጣ ኸብደይ ኣሕሪሮምኒ፡፡ እቲ ዝገረመኒ ነገር ድማ እቶም መዛርብተይ “ኣምሕርኛ ናይ ሃገር ቋንቋ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ንፈለማ ግዜ ዝኣወጁ እኮ እቶም ትግራዋይ ንጉስ ሃፀይ ዮሓንስ እዮም፤ ከመይ ገይርካ ንስኻ ሎሚ ትቃወም” ኢሎምኒ፡፡ “ሃፀይ ዮሓንስ እማ ናይ መንግስተይ ቋንቋ ትግርኛ እዩ ኢሉ እባ ኣዊጁ ነይሩ፣ እዙይ ድማ ታሪኽ መዝገቡዎ ዘሎ እነት እዩ” እንተበልኩ ከምኡ ዝበለ ታሪኽ የለን ኢሎምናቲ፡፡ እቲ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ሕዪ ቐደም ከመይ ምንባሩ ኩልና በብዝዓቕምና እንዳንበብናን እንደተማሃርናን ንፍለጥ፤ ግን ሎሚ ንሕና ተጋሩ ትግርኛ (ዘረባ ትግራይ) ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውን ንደሊ ዶ ኣይንደልን? ዝብል ሕቶ ክንዛራረበሉ፣ ክንፅሕፈሉ ዝግባእ እዩ ዝመስለኒ፡፡ እቲ ይከኣል ዶ ኣይከኣልን? ዝብል ሕቶ ንቀረፅቲ ስርዓተ-መንግስቲ ዝግደፍን ብሱሩ እውን ዓርሱ ኽኢሉ ከመይ ገይርካ ሓንቲ ዓዲ ዝተፋላለዩ ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክህልዉዋ ይኽእሉ? ዝብል ናይ ኣፈፃፅማ መፅናዕቲ(feasibility study)ዘድልዮ እዩ፡፡ እታ ዋና ኣቐዲምና ክንሓስበላ፣ ክንዛራረበላ፣ ክንኽፈላ፣ ክነንብበላ ብሱሩ ክንውስና ዘለና ቐንዲ ሕቶ “ንሕና ተጋሩ ብዛዕባ ቋንቋና ድሌትና ታእዩ? ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኮይኑ ክምዕብል ዲና እንደልዮ ዘለና ወይስ ከምቲ ሕዪ ዝኒሀሉ ኩነታት ሕምልምል እንዳበለ ሓምሊሉ ሓምሊሉ ተዓብሊሉ፣ ደኺሙ፣ ሓሚሙ፣ ሞይቱ ክተርፍ እዩ እቲ ባህግና?”

“ትሓምም ትሓምም ትመውት፣ ትዓዲ ትዓዲ ትነዲ” በሉ ዓበይቲ ዓድን ሊቃውንትን ትግራይ፡፡  

ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣነ ብወገነይ ተጠሚርና ከም ሓደ ሰብ ኮይንና ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቋንቋና ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሕቶ ክነቕርብ ኣለና ዝብል ዘይልወ እምነት ኣለኒ፡፡    

ውራይ ፍልሰት ተጋሩ        

ብሓደ ገፅ ናብ ዝደለኻዮ ቦታን ዓድን ተንቃሳቒስካ ሸቂልካ ምንባርን ምብላዕን ኣብ ኩሎም ሕግታት ሃገራት ዓለም ኣፍልጦ ዝተዋህቦ መሰል እዩ፡፡ ብኻልእ ገፁ ድማ ስደተኛታት ብዙሕ ፀገማት እንትገጥሞም ኢኻ ትርኢ፡፡ ኣነ ኣብ ሞንጎ ስደትን ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ኣፈላላይ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ማለት ነቲ ስደት ኣውሕልል ኣቢልካ ምግላፅ ማለት እዩ፡፡ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ካብ ዓዲ ወፃእን ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኣፍቲ ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ እንተሪእና ካብ ትግራይ እልፊ ኣእላፍ ቆልዓ፣ መንእሰይ፣ ዓብዪ፣ ሰብኣይ፣ ሰበይቲ፣ ምሁር፣ ዘይምሁር፣ ሃፍታም ድኻ ናብ ካልኦት ቦታታት ኢትዮጵያ ተንሰቃሳቒሶም ይነብሩ ኣለዉ፡፡ እዙይ ብዝተወሰኑ ዘይተጋሩ ህዝብታት ኢትዮጵያ “ተጋሩ ኣብ ካልኦት ክልላት ከይዶም ከም ድላዮም ይንቃሳቐሱ ይሰርሑ፣ ይበልዑ፣ ይርብሑ ኣለዉ፤ እዙይ ድማ ልዕልነት ተጋሩ ስለዘሎ እዩ” ዝብል ተሪር ተቓውሞ ፈጢሩ ኣሎ፡፡ ኣነ ነዚ ውራይ እዙይ ገልቢጠ እየ ዝሪኦ፡፡ ካብ ትግራይ ዝማላቐቕ ትግራዋይ ይበዝሕ ኣሎ፤ እዙይ ድማ ሰለስተ ቐንዲ ፀገማት ዝፈጥር እዩ፡፡ እቲ ሓደ ምስ ልምዓት ትግራይ ዝተሓሓዝ ኮይኑ ዑና ትግራይ ክፈጥር ዝኽእል ሓደጋ እዩ እየዝብል፡፡ እቲ ኻልኣይ ምስ ረብሓ ተጋሩ ዝተሓሓዝ ኮይኑ ካብ ትግራይ ወፃእ ዝነብሩ ተጋሩ ኸቢሮም እንተይኮኑ ዳርጋ ሓሲሮም እዮም ዝነብሩ እየ ዝብል፡፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ምስ ትግራዋይ መንነት ዝታሓሓዝ ኮይኑ ቀስ እንዳበለ ትግራዋይነት ሃሲሱ ስምዒት ትግራዋይነቱ ዝላሕልሐ ትግራዋይ ወለዶ እዩ ዝፍጠር ዘሎ እየ ዝብል፡፡ ትግራዋይ ካብ ትግራይ ወፃእ ናብ ካልኦት ቦታታት ዝወለዶ ፀገም ቁጠባ እዩ፡፡ ግን ቐፃሊ ተስፋ ተጋሩን ትግራይን ኣብ ድንግዝግዝ ዝበለ ሃዋህው ዘእቱ እዩ፡፡ እሰቲ ቁሊሕ ኢልና ንርአ!! ቆልዓ፣ መንእሰይ፣ ዓብዪ፣ ሰብኣይ፣ ሰበይቲ፣ ድኻ፣ ሃፍታም፣ ምሁር፣ ዘይምሁር ኩሉ እግሪ ዘውፅአ ትግራዋይ እንድሕር ታብ ትግራይ ፈሊሱ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብር ኮይኑ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እንታይ እዩ ተስፍኦም? መን እዩ ንትግራይ ከልምዓ፣ ሃፍቱን ፍልጠቱን ኣፍሲሱ ከገልግላ? እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም መን እዩ ተማራሚሩ ክፈትሖ? እቲ ዘጉሂ ነገር በዓል ሞያ ሕጊ፣ ባዓል ሞያ ስነ-ቑጠባ፣ ባዓል ሞያ ምምሕዳር ይኹን ካልእ ባዓል ሞያ ኩሉ ኣብ ትግራይ ቁሩብ ስርሕ ስርሕ ምሰ ኣበለ ልምዲ ስራሕ ሒዙ ዝሓሸ ማሃያ ምእንቲ ክረክብ ናብ ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ኣብያተ ዕዮ እዩ ኣመልኪቱ ተዋዳዲሩ ዝኣቱ ዘሎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ መን እዩ ከገልግሎ? ትግራይን ህዝባን ምስ መን ትተርፍ ኣላ ማለት እዩ? ምስቲ ጋና እኹል ስራሕ ልምድን ተመኩሮን ዘየብሉ መገልገላይ? ኣብ ትግራይ ዝነግዱ ዝነበሩ ተጋሩ እንተስ ግብሪ በዚሑና እዩ ብዝብል እንተስ ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ስለዘየለ ነጊድና ክንዓቢ ኣይከኣልናን ብዝብል እንተስ ብስሩ እውን ኣብ ትግራይ ነጊድካ ናይ ምብላዕ ተስፋ የለን ብዝብል ተስፋ ምስኣን እንተስ ብኻልኦት ምኽንያታት ጉዕዞኦም ጠቕሊሎም ናብ ካልኦት ከተማታትን ክልላትን ይጓዓዙ ኣለዉ፡፡ መን ዳኣ እዩ ኣብ ትግራይ ገንዘቡ ኣፍሲሱ ነቲ መንእሰይ ትግራይ ስራሕ ብምፍጣር ይኹን ኣንፈት ስራሕ ብምርኣይ ተስፋ ክኾኖ? መንእሰይ ትግራይ ሓንካስ ብምርኩስ ዕውር ብመሪሕ ታብ ትግራይ ለቒቑ እንተኸይዱ እታ ትግራይ መን እዩ ሃደግ በደግ ኢሉ ድንን ቅንዕ ኢሉ ሰሪሑ ከልምዓ ተስፋ ዘለዋ ባይታ ክገብራ? ወረ ኢሉ ኢሉስ ኣስካሬን ተሸኪሙ ዝቐብረና ከይንስእን ዘፍርሕ እዩ!!   

ክንደይ ትግራዋይ እዩ ኣብ ጎደናታት ኣዲሳበባ ዝልምን ዘሎ? እሞ ድማ ቋንቋ ብዘይምኽኣሉ ሰብ እንዳሰሓቖ!!  ክንደይ ትግራዋይ እዩ ኣብ ካልኦት ቦታታት ተወሊዱ ዓብዩ ትግርኛ (ዘረባ ትግራይ) ዘይኽእል? ክንደይ ትግራዋይ እዩ ኣብ ካልኦት ክልላት ብምንባሩ በዘይኽእሎ ቋንቋ ብመተርጎሚ ዝዳነ ዘሎ?   

“እቲ ፅቡቕ ዘሎንያ ሕማቕ ዘሎ ይመስሎ፣ እቲ ሕማቕ ዘሎንከ ፅቡቕ ዘሎ ይመስሎ” በሉ ዓበይቲ ዓድን ሊቃውንት ትግራይ፡፡ ኣብ ሕማቕ እንተለናስ ኣብ ፅቡቕ ዘለና ግዲ እዩ እንዳመሰለና!!     

ብሱሩ እባ ሽሕ መናሽሕ ትግራዋይ ታብ ትግራይ ወፅዩ ናብ ካልኦት ክልላትን ከተማታትን እንትኸይድ ካልኦት ከ ናብ ትግራይ ንምንታይ ዘይመፁ? ብሱሩ ኸ እባ ትግራይ ሰብ መሊኣ ድያ በጨቕ በጨቕ ትብል ዘላ ወይስ ውሕሉል ኣተኣላልያ ስለዝጎደለና ኢና ፀጋና ገዲፍና ንኸይድ ዘለና እሞ ድማ ኸይድና ኣብ እነልምዖ ቦታ “¨መፁ ድማ!” እንዳተባሃልና ብጎቦ ዓይኒ እንዳተራእና? ኣነ ትግራይ ሃፍታ ተጓሕጒሑ ተወዲኡ እዩ፣ ሰብ መሊኣ በጨቕ ኢላ እያ ዝብል እምነትን ኣረዳድኣን ፍፁም የብለይን፡፡ ጋና መሬት ትግራይ ብድንግሉን ጥርሑን እዩ ዘሎ፡፡ ብዙሕ እልፊ ኣእላፍ ዘበናት ንዘንትእለት ዘናብረና ውህሉልን ዕቑርን ብዙሕ ክንሰርሐሉ ዝግባኣና ጥረ ሃፍቲ ኣለና እዩ፡፡   

“ብጋመኺ ኣለኺ ትግራይ ብጋመኺ ….” በለ እቲ ደራፊ ሙላት ሓየሎም ለባም ወዲ እቶም ለባማት ተጋሩ!! እቲ ክቡር ዶክተር ኪሮስ ኣለማየ ድማ “ … ዓዲ ወርቂ ሎሚ ኾይንኪ …”  በለ፡፡ ኣብዙይ እኔኻ ልቢ!!            

ጋና ድማ ሰብ ኣሽንኳይነያ ክትመልእ እሞ በጨቕ ክትብልስ ሰብ እኳ ትሃርፍ!!                             

ክነስተብህሎ ዝግባኣና ድማ ክንድቲ ኣብ ጎንደር፣ መተማን ጎጃምን ዝነብር ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ዝነብር አምሓራይ እንተዝህሉ እቲ ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ፈፂሙ ኣይምተፈፀመን ነይሩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ እቶም ፀረ እቲ ሸቂሉ ዝበልዕ ትግራዋይ ዝተበገሱ ዘይህዝባውያን ክፈርሑ ነይሮም እዮም፡፡ እሞኸ ድኣ ከመይ ገይርና ኢና ትግራይና ንትግራዋይ ሓቚፋ ንካልኦት ህዝብታት እውን እተፀግዕ ትግራይ እንገብራ? ንዝብል ሕቶ ድቃስ ገዲፍና ክንሓስበሉን ክንሰርሓሉን ይግባእ እብል፡፡ ዘደቅስ እውን የብልናን፡፡

“ዘየድቅስ ያ ነጊሮሞምስ ደቂሶም ሓደሩ” በሉ ለባማት ዓበይቲ ዓድን ሊቃውንትን ትግራይ፡፡             

እዙይ ኩሉ እንትባሃል ድማ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ይሓትት፣ ዝጎደሎ የማልእ ማለት ከምቲ ኩሉሻዕ ዝገብሮ ምስቶም ካልኦት ሓቱ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍቕርን ምክብባርን ኢድ ንኢድ ተታሒዙ መሰሉ ኣኽቢሩ መሰል ኣሕዋቱ ካልኦት ህዝብታት እውን ኣኽቢሩ ሰላማዊት፣ ዲሞክራሲዊትን ዝማዕበለትን  ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ይሰርሕ ማለት እዩ እምበር ፍሕፍሕ ዝፈጥር ኣንቹም ኣንቹም ዝፈጥሩ ነገራት ይፅሕትር ማለት ኣይኮነን፡፡         

  

ለኣከ መኮነን ተስፋይ

  እስቲ ቑሊሕ ንበል

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.