ብጌታቸው ኣረጋዊ

ግእዝ፣ ብሄረ ኣግኣዝያን፣ ትግራይ-ትግርኚ፣ ኣግኣዝያዊነት፣ ማሕበር ኣሕዋት ኣግኣዝያን፣ ኣግኣዝያን ሪፐብሊክ/ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ወዘተ

ክሳብ ቀረባ እዋናት (ብፍላይ ኣብ ዓድና) ማሕበራዊ ሚድያ ከም ቁምነገር ገይርካ ዝውሰድ ኣይነበረን። ብፍላይ ከዓ እኒ ፌስቡክ ስቕ ኢልካ ናት ተራ ወረን ጠራዕራዕን ገይርካ ዝረኣየሉ እዩ ነይሩ። ሐዚ ግን ዋላ እኳ መሊእኻ እትምሕለሉ ፅሩይን ሓላፍነት ዝወሰደሉን መድረኽ ተዘይ ተበሃለ፣ ቁምነገር ዘለዎም ከበድቲ ዛዕባታት ኣልዒሉ ኣብ ሕብረተሰብ መዘራረቡ ኣብ ምግባር ግን ተርኡ ልዑል የኸውን ኣሎ። ብፍላይ መንኣሰይ ትግራይ እዚ ዓውዲ ብደንቢ ዝጥቀምሉ ዘለው ይመስሉ። ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝለዓሉ ጉዳያት ከም ቁምነገር ወሲድካ ክዝተየሎም ዘለዎ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ምብፃሕ ይከኣል።

ብዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ኣግኣዝያን ብዝምልከት ሓፂር ዳህሳስ ክነቕርብ። ኣብዙይ ብዋናነት ክረኣዩ ዘለዎም ትርጉምን ታሪካዊ ኣመፃፅኣን ኣግኣዝያን? መን እዮም ኣግኣዝያን? ሐዚ ኸ እቲ ኣግኣዝያውነት ንመነመን ይሕዝ? ምስ ግዝእ ታይ ርክብ ኣለዎ? ምስ ትግራይ ትግርኚ ዘሎ ምምስሳልን ፍልልይን ከ? ኣግኣዝያን ዝብል ምንቅስቓስ ብመን መዓዝ ተጀሚሩ? ሐዚ ዘለዎ ብርኪ ኸ ታይ ይመስል? እቶም መሰረታዊ መትከላትን ትሕዝቶን እቲ ምንቅስቓስ እንታይ እዮም ዝብሉ? ብተቐውሞን ብድጋፍን ዝቐርቡ ኣረኣእያታት ብሓፂሩ ታይ ይመስሉ? ናበይ ከ ከምርሕ ይመስል… ወዘተ ዝብሉ ነጥብታት ኣልዒልና ዘለና ሓሳባት ክነቕምጥ እሞ መንበብቲ ድማ ክትመያየጥሉን ብቐፃሊ ሓሳብኩም ክትህብሉን ንዕድም።

ኣመፃፅኣ ስያመ ኣግኣዝያን ወይ ኣግኣዝያን መን እዮም?

ተማራማሪ ታሪክ ፕሮፌሰር ላጲሶ ከም ዝብልዎ ታሪክ ኢትዮጵያ ንምፅናዕ 1) ብ ሳባ፣ ግእዝ ፣ ግሪክ ዝተፀሓፉ ኢነስክሪፕሽን/ዝተቐረፀ ፅሑፍ ከምኡ ድማ ሳናቲም/ ገንዘብ 2) ካብ ወፃእ ድማ ናይ ግበፂ ሄሮግሎፊከስ፣ እብራይስጥ፣ ግሪክ፣ ዓረብ፣ ሮማውያን ወዘተ 3) ኣብ ማእኸላይ ክፍለዘመን ብግእዝ ኣብ ብራና ዝተፀሓፉ ገድልታት 4) ድሕሪ 16 ክ/መን ብድፕሎማትስ ወይ ሚስዮናውያን ዝተፀሓፉ መሬዳእታት 5) ካብ ቴድሮስ ንደሓር ብኣምሓርኛ ዝተፀሓፉ ዜና መዋእላት 6) ናይ ትውፊትን ስነ ልሳንን መረዳእታታት… መሰረታዊን ኣገዳስትን እዮም ( ላጵሶ፣ ረጂም የህዝብና የመንግስት ታሪክ 1982፣ ገፅ 20)። ብመሰረት አዚ መርህ እዚ፡ ኣግኣዝያን ዝምልከት ኣብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰነዳት ኣገላብጥና ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፦

 ብመጀመርታ ኣብ ፍልፍል መረዳእታ ታሪክ ዝለዓለ ተኣማንነት ዘለዎ ኢንስክሪፕሽን/ኣብ እምኒ ዝተቐረፀ ፅሑፍ

እንትንፍትሽ ብቐጥታ ኣግኣዝያን ዝብል ቃል ኣይንረክብን። ብተዛማዲ ኢልካ ክውሰድ ዝኽእል ግን እቲ ብቀዳማይ ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ ከም ዝተፀሓፈ ዝእመነሉ ሽሙ ብዘይተገለፀ ናይ ኣክሱም ንጉስ ዝተፀሓፈ ኣብ ኣዱሊስ ዝተረኸበ ኢንስክሪፕሽን “The Aksumite king who wrote the Adulis Inscription boastfully enumerates, as parts of his expanding and multinational state, the following lands and peoples:  Ganze(agazian), Agame, Sign, Aua (Adwa), Zingabane, Angabo, Tiamo, Antangau, Kala, Lasine, Zaa, Gabala, Atalamo, Beja, Tanganitae, Annine, Metine, Sesea, Rhausoi,  Solate. The Aksumite state, (ca. 100 – 1100 A.D.) ኢሉ ዝገዝኦም ዓድታትን ህዝብታትን እንትገልፅ እታ መጀመርታ ተገሊፃ ዘላ ግእዝ ወይ ኣግኣዝያን ንምባል እያ ኢሎም ዝተርጎምያ ተመራመርቲ ብዙሓት እዮም። ካብዚ ወፃእ ግን ብቀጥታ ኣብ ኢንስክሪፕሽን ኣይንረኽቦን(ክሳብ ሎሚ ብዘሎ ውፅኢት ምርምር)።

ኣብ መፃሕፍቲ ግን ዝተፈላለዩ ፀሓፍቲ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ገሊፆሞ ንረኽቦ። ካብቶም ኣረኣእያታት እቲ ሓደ ምስ ግእዝ (መጀመርታ/ጀመርቲ) ተዛሚዱ ዝግለፅ እንትኾን እቲካልኣይ ድማ ኣግኣዝያን ማለት ነፃ መውፃእቲ (ካብ ደገ ዝመፁ) ብዝብል እዩ ዝግለፅ። ኣብዚ ካልአዋይ ነጥቢ ብኽልተ ፃፋት ዝመፁ ክትዓት ስለ ዘለው ከምዘሎ ክነቅርበልኩም።

ኣብ ዓድና ናይ መጀመርታ ነበርቲ (ብናይ ስነ ፍጥረት ኣተናትና) ደቂ ካም/ኩሽ ኮይኖም መንግስትነት መስሪቶም ዓዲ የመሓድርሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ሓደ ራማ ዝተበሃለ ንጉስ ካብ ህንዲ መፂኡ ንየመን ከባቢ ተቖፃፂሩ ይገዝእ፤ ኣብኡ ዝመረሮም ናይ ሴም ዘርኡ ዝኾኑ 3 ደቂ ዮቀጣን ድማ ናብዙይ ኣተዮም ኣብቶም ናይ ዓድና ገዛእቲ ዝኾኑ ደቂ ካም ተፀጊዖም ንሓሙሽተ ዓመት ይነብሩ። ድሕሪኡ እቲ ራማ ዝበሃል ንጉስ ህንዲ ናብዙይ መፂኡ ንቶም ዓሌት ኩሽ ስዒሩ ይገዝኦም፤ ቀስ ብቐስ ድማ እቶም ናይ ሴም ዓሌት ዝኾኑ ደቂ ዮቀጣን ንቲ ንጉስ ራማ ስዒሮም ንዚ ዓዲ ሓራ የውፅእዎም እሞ ኣግኣዝያን ይብሃሉ ትርጉሙ ድማ ነፃ መውፃእቲ ማለት እዩ ይብሉ ከምኒ ኮንቲ ሮስኒ፣ ህሩይ ወልደስላሴ፣ ተክለፃዲቅ መኩርያ፣ ኣለቃ ታየ፣ መስፍን ዘርኣብሩኽ ወዘተ ዝኣመሰሉ ፀሓፍቲ።

ግልፂ ንምግባር ተክለፃድቕ መኩርያ ኣብ “የኢትዮጵያ ታሪክ፡ ኑብያ-ኣክሱም ዛጉዬ” ዝብል መፅሓፎም ዘቐመጥዎ ”….የዮቆጣን ልጆች በየመን ሳሉ የህንድ ነገስታት እየወጉ ብያስቸገሯቸው የካሙ ዘር ንጉስ ጵኦሪ ብኣክሱም በነገሰበት በ1980 ዓ.ዓ የመንን ለቀው ወደ ሃገራችን መጡና፤ ሶስቱ ነገዶች፡ ሳባ በ ትግራይ፣ አቦል በኣዳል/ዓፋር፣ ኤቦር በ ኦጋዴን/ኢትዮ-ሳማልያ ተቀመጡ። እንደመጡም መጀመርያ ለ 5 ዓመት ለንጉስ ጵኦሪ ገብረዋል። መዚህ መካከል የህንድ ንጉስ ራማ ወደ ሃገራችን መጥቶ ጵኦሪን ወግቶ ስላኑን ቀማው። ህዝቡንም ይገዛው ጀመር። በዝያን ግዜ እነዚህ ሶስቱ የዮቀጣን ልጆች ከያሉበት ተሰባስቦው ራማን ወግተው ሰራዊቱን ኣሸንፈው እሱንም ገደሉና ህዝቡን ከባርነት ነፃ ኣወጡት። በዚህም እነዚህ ነገደ ዮቀጣን ነገደ ኣግኣዝያን (ነፃ ኣውጪዎች) የሚል ስም ወጣላቸው።” ይብል።

እዞም ደቂ ዮቀጣን ንቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ኣባሪሮም ነፃ ኣውፂኦም ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ናይ ኣክሱም ስልጣነ ኣብ ቋንቋ፣ ስነ ፅሑፍ፣ ፍልስፍና፣ ስነ ህንፃ ወዘተ ንሳቶም ዘምፅእዎ እዩ እዮም ዝብሉ እዞም ዝተጠቐሱ ፀሓፍቲ። እኒ ዶር ተወልደ ትኩእ (የኢትዮጵያ ኣንድነትና ኢጣልያ)፣ ዶር ኣያሌው ሲሳይ (የኣገው ህዝብ ታሪክ)፣ ኣስረስ የኔሰው (ኣክሱም መኑ ኣንተ)፣ ዶር ሃብተማርያም ኣሰፋ (የኢትዮጵያ ታሪክ ጥያቄዎችና ባህሎች)፣ ፕሪፌሰር ላጲሶ ጊ.ዴሌቦ (የኢትዮጵያ ረዥም የህዝብና የመንግስት ታሪክ)፣ መሪጌታ ልሳነ ወርቅ ገብረገርግሰ (ብሄረ በፅኣን ኢትዮጵያ) ወዘተ ድማ ንዚ ልዕለ ኢሉ ዝተገለፀ ሓሳበ ይቃወምዎ። እዚኣ እውን ግልፂ ንምግባር ጨሊፍና ንርኣያ፤ ዶር ተወልደ ትኩእ ኣብታ “የኢትዮጵያ ኣንድነትና ኢጣልያ” ከምዚ ይብሉ “… በብዙ የሃገራችን ፀሓፊዎች የቀረበ ፅሑፍ ትክክል ነው ብለን መውሰድ እንቸገራለን…. ለምሳሌ ኣቶ ተክለፃድቕ መኩርያ ኣብ የኢትዮጵያ ታሪክ፡ ኑብያ-ኣክሱም ዛጉዬ በሚል መፅሓፍ ያቀረቡት የታሪክ ግምገማ በኣንድ ኣንድ ሃሳቦች የተቃውሞ ሃሳብ ለማቅረብ እገደዳለሁ፤ ኣንደኛ ለመንግስታችን፣ ቋንቋችን ስልጣንያችን መሰረት የሆነው ከደቡብ ዓረብ በመጡ የዮቀጣን ልጆች ነው የሚለው እውነትነት የሌለው የማንቀበለው ነው። ሁለተኛ የዮቀጣን ልጆች ንጉስ ራማን ኣሸንፈው ኣግኣዝያን ተባሉ፣ ቋንቋቸውም ግእዝ ተባለ የሚለው እውነት ሊሆን ኣይችልም፤ እውነት ቢሆን ኣፋሮቹና ሶማሌዎቹም እንዳኣሁኑ ኩሺቲክ ሳይሆን ግእዝ ይናገሩ ነበር ማለት ነው።…”ኢሎም የቐምጡ። ዶር ኣያሌው ሲሳይ ብተወሳኺ ንቶም ቅድሚ ጵኦሪ ዝነበሩ 22 ነገስታት ዘሕለፉ ስልጡናት ህዘቢ ደቂ ካም ዘይሰዓርዎ ንጉስ ሓሙሽተ ዓመት ዝተቐመጡ ስደተኛታት ደዊ ዮቀጣን ስዒሮሞ ኢልካ ምምጓት ማይ ዘይቛፅር ምጉት እዩ ይብሎ። ፕሮፌሰር ላጲሶን ፕሮሴሰር ስርገውን .. “ሳባውያን ብሰፈራን ስራሕን መፂኦም ኣብ ትሕቲ ደኣማት ይነብሩ ምንባሮም .. ዓረብ ብምልኡ ናይ ኢትዮጵያ ገባር ግዝኣት ከም ዝነበረ”፣ደቡብ ዓረባውያን 1000 ቅ/ክ ከባቢ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰደዱ እዩ፤ ፅቡቕ ቦታን ምሕደራን ንምርካብ (ancient and medival history by sergew habteselase፡ page 26.) ኮንቲ ሮሲኒ ዝተበሃለ ጣልያናዊን 1872-1949፣ ኢኖ ሊትማን ዝተበሃለ ጀርመናዊን 1875- 1958 ስልጣነ ኣክሱም ካብ ዓረብ መፂኡ ኢሎም ካብ ዝሰበኹ ኣውሮፓውያን እዮም። ….. ይኹን እምበር ሴማዊ ህዝብን ቋንቋን ኣብ ዓረብ ቅድሚ ምንባሩ 2000 ዓመት ቀዲሙ ኣብ ዓድና ነይሩ እዩ። ፕሪፌሰር ላጲሶ ጊ.ዴሌቦ (የኢትዮጵያ ረዥም የህዝብና የመንግስት ታሪክ)፣ ዴቪድ ሌቪን ይውስኸሉ እዩ።

እቶም ደቂ ሴም ኣዕራብ ዓዶም ድርቂ ምስ ኮኖም ድኣ ናብ ዓድና መፂኦም ስደተኛታት ኮይኖም ፅግዕተኛታት ኮይኖም ሰራሕተኛታት ኮይኖም ምስቶም ደቂ ኩሽ ተዋሲቦም ነበሩ እምበር ፤ መፂኦም ንዓና ነፃ ኣውፂኦም ግእዝ ኣማዕቢሎም ኣግኣዝያን ተባሃሉ ዝብልስ ዓብዪ ሓሶት እዩ፤( ብሄረ በፅኣን ኢትዮጵያ፤ መሪጌታ ልሳነ ወርቅ ገብረገርግሰ፣ ገፅ 23) ኣስረስ የኔ ሰው እውን ንዙይ የረጋግፁ ብመረዳእታ። ዶር ኣየለ በክሪ ድማ እዚ ካብ ዓረብ መፂኦም ንኢትዮጵያ ኣሰልጢኖም ዝብል ናይ 19 ክመን ናይ ኣውሮፓውያን ሕሶት ፕሮፖጋንዳ እዩ ይብልዎ።

ግእዝ፦ እቲ ካልእ ትረኻ ምስ ግእዝ ብዝተኣሳረ ዝቐርብ እዩ።

ግእዝ ካብቶም ፊደል ዘለዎም ቋንቋታት ሴም ሓደ ኮይኑ ኣብ ሃገርና ዝኣተወሉ ግዜ  ካብ 3510- 3529 ዓ ዓ እዩ ይበሃል። ግእዝ ናብ ሃገርና ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ክሳብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ማለት ብናይ ኣክሱም ዘመነ መንግስት ግዜ ንቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጥነታዊ ቋንቋ ዓብሊሉ ህዝባዊን መንግስታዊን ቋንቋ ኮይኑ የገልግል ምስ ነበረ ካብኡ ንነጀው ግን ብቛንቋ ትግርኛ ተተኪኡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተወሲኑ ይርከብ። ( መሪጌታ ግርማፅዮን መብራህቱ፤ ‘ልዕሳነ ግእዝ ዘእም ግርማ” መዝገበ ቃላት ትግርኛ፣ 1977 ዓም፣ ኣዱሊስ)።

ግእዝ ብደኣማት መንጭዩ። ግእዝ በዘመነ ደኣማት ብ100 ዓዓ ከም ዝተጀመረ እዩ፤ ብፅሑፍ ደረጃ ግን ኣብ ናይ ገደረት ዝተበሃለ ንጉስ ኢንስክሪፕሽን እዩ ንመጀመርታ ግዜ ተረኺቡ (ፕሪፌሰር ላጲሶ ጊ.ዴሌቦ)።  

ግእዝ ማለት ቀዳማይ ማለት እዩ፤ ኣግኣዝያን ማለት ናይ መጀመርታ ሰባት ማለት እዩ ወይ ቀዳማት ሰባት ማለት እዩ፤ ኢትዮጵያ ናይ ደቂ ሰባት መበቆል ከም ምዃና መጠን ማለት እዩ።( ዶር ሃብተማርያ ኣሰፋ፡ የኢትዮጵያ ታሪክ ጥያቄዎችና ባህሎች፡ ገፅ 102)።

ግእዝ ማለት መጀመርታ፣ ኣውራ፣ ማለት አዩ። ኣብ ሞንጎ ገዓዘ (ተጎዓዘ ንምባል)፣ ግዑዝ (ግኡዝ ነገር)፣ ግእዝ ዘሎ ኣፈላላይ ምርዳእ የድሊ። ጀመርቲ ስለ ዝኾና መፀውዒ ቋንቋና ግእዝ፣ መፀዊዕና ድማ ብሄረ ኣግኣዚ ኮይኑ ዓዲ በዓል ሓራ ናይ መጀመርታ ማለት አዩ።  ኣስማት ኢትዮጵያ 3ተ ኢየን። 1ቲ ኢትዮጵያ: 2ቲ ሳባ: 3ቲ ብሄረ ኣግኣዚ" ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ (ታሪኽ ኢትዮጵያ:ገፅ 1_5)

ብሄረ ኣግኣዝያን ዝብል ዝመፀ ካብ እግዝእ ዝብል ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ምድረ እግዚኣብሄር ወይ ድማ ሃገረ ኣምልኾተ እግዚኣብሄር ንምባል እዩ ይብሉ መሪጌታ ልሳነወርቅ።

ግእዝ ብፅሑፍ ደረጃ ንመጀመርታ ግዜ ብንጉስ ገደረት እዩ ኣብ ኣክሱም ተረኺቡ።  ግእዝ ኢነስክሪፕሽን ኣብ ኤርትራን ትግራይን እምበር ኣብ ካሊእ ኣይተረኸበን ስለዚ ግእዝ ስልጣነ ንናይ ክሊቲኡ ህዝቢ ጥራይ ዝገልፅ እዩ ዝብሉ ተንተንቲ እውን ኣለው። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንኽሊቲኡ ህዝቢ ንምግላፅ ኣግኣዝያን ወይ ብሄረ ኣግኣዝያን ዝብል ሓበራዊ ስም ይገልፆ እዩ ተባሂሉ ይእመን ኣሎ።

እሞ ኣብ ታሪክ ተሰኒዱ ዘሎ እቲ ዝረኸብናዮ ከምቲ ዝቐረበ እየቱ፤ እቶም ኣግኣዝያን ዝብሉ ዘለዉ ኣየናይ እዮም ወሲዶም ግልፂ ኮይኑ ቁርፅ ዝበለ መልሲ ምርካብ የፀግም እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ፅሑፋት ዝተፈላለየ ኣገላፅታት ስለ ዝጥቀሙ። ብዘኮነ እቲ ታሪኻዊነቱ ዝምለከት እዙይ ኢልና እቲ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያውነት ከመይ ጀሚሩን ኣበምንታይ ኩነታት ኣሎን ዝብል ከዓ ክንርኢ።

ኣምር ኣግኣዝያውነት

ብቲ ታሪካዊ ኣመፃፅአኡ ዋላ እካ ፈፂሙ ንኻልኦት ኣይሓቁፍን እንተዘይተበሃለ ብዋናነት ግን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ተጋሩን ኣብ ደጉዓታት ኤርትራ ንዝርከቡ ተጋሩን ዝጠመር ቃል እዩ ኢልካ ክውሰድ ይከኣል። ዋና መጠንጠኒኡ እውን እዙይ ስለ ዝኾነ ካሊእ ዘሻሙው ትርጉም ከይሓዝና ንኽልቲኡ ትገርኛ ተዛራቢ ዝጠመር ስያመ ኢልና ንሓዞ። እሞ ናይዞም ክልቲኦም ህዝቢ ሓደን ክልተን ምዃን ድኣ ከመይ እዩ ዝግለፅ? መዓዝ ሓደ ነይሮም? መዓዝ ተፈላለይም? ከመይ ኢሎም ከ ሓደ ክኾኑ ይኽእሉ? ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ከድሊ እዩ። ኣግኣዝያውነት፣ ብሄረ ኣግኣዚ ወይ ሃገረ ኣግኣዚ ዝብል ንኽልቲኡ ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ዝሓቁፍ ስያመታት ክስማዕ ዝጀመረ (ድሕሪ እቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ጥንታዊ ታሪክ) ኣብ ማእኸላይ ዘመን ማለት እዩ ኣብቲ ትግራይ ትግርኚ ዝብል ምንቕስቛስ ዝነበረሉ እዋን እዩ።

ምንቅስቓስ ትግራይ-ትግርኚ

ኣመሰራርታ  ትግራይ ትግርኚ ብዝምልከት ፕሮፈሶር ተስፋጼን መዴሃኔ ኣብ ሓደ ጽሑፉ ከም ዝገለፆ ፥ ኣብ እዋን መንግስቲ ጣልያን ብፍሊይ ኣብ 1935 ኢትዮጵያ ኣብ  ምቁጽጻር ኢጣልያ ምስ ኣተወት ፥ መራሕቲ መንግስቲ ጣልያን ኢትዮጵያ ንኽቆጻጸር ምእንቲ ክጥዕሞ ክልተ ሓሳባት ሒዝም ተበገሱ።

1. ፖለቲካ ሸዋ፤ ብናይ ኢጣልያ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዲያት ዝምረጽ ኯይኑ ፥ ንመንግስቲ ሽዋ ኣሐይልካ ነተን ካልኦት ግዜኣታት ጣልያን ምቁጽጻር ዝዓለመ ሓሳብ እዩ ነይሩ ።

2. ፖለቲካ ትግርኛ ‚ ብናይ ኢጣልያ ቤት ጽሕፈት ኮልኒ ዝድግፍ ኮይኑ ኣንጻር እቲ ፖለቲካ ሽዋ እዩ። እዙ ማለት ኢትዮጵያ ንምቁጽጻር ነቲ ማእከለይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነጽጉ ወገናት ምሕያልን ምድጋፍን’ዩ ። ብኻሊእ ኣበሃህላ ንገዚእቲ ትግራይ ኣሐይልካ መንግስቲ ሽዋ ከም ዘዲኸም ምግባር።

እንግሊዛውያን ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ምምሕዲር ተኺልም ኣብ ዝነበርለ እዋን ንኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያውን ክቆጻጸሩዋ ይሓስቡ ስለዝነበሩ ንመንግስቲ ሽዋ ኣዲኺሞም ፣ ትግራይ ትግርኚ  ማለት ትግራይን ኤርትራን ብሓባር ንምምሕዳር ዒላማ ገበሩ። ብዘሕ ጎስጋሳት’ውን ገበሩ። ትግራይ-ትግርኚ ሰዋሱዋዊ ትርጉሙ ንክኢላታት ገዲፍና ከም ንትግራይን ካልእ ተዛራቢ ትግርኛን ዝሓቁፍ ኣጠቓቕማ ዝነበ ሮ ምስእንሓስብ፡ ራእሲ ሃይለስላሴ ጉግሳን ሰዓብቶምን ሓዳስ ናይ ብሄረ-ትግርኛ ሃገር ክምስርቱ ብምውጣን ብመንግስቲ ጣልያን ቅቡል ተወሲዱ ወይ ብአኦም ወይ ብራእሲ ስዩም መንገሻ ትምራሕ ሃገረ-ህዝቢ ትግርኛ ንምምስራት ምስ ናይ’ቲ እዋን ልዕለ-ሓያል ዝነበረ እንግሊዝ ከምዝተዛተዩሉ ታሪኽ ይዛረብ።

ካብዚ እንርድኦ እዚ ትግራይ ትግርኚ ዝብል ውጥን ሓሳብ ብተገራ ብፍላይ ድማ ብገዛእቲ ሽዋ ንብደል ኣለና ዝበሉ ዝተበገሰ ሓሳብ ኮይኑ እቶ ተመሳሳሊ ስሚዒት ዝነበሮም ናይ ከበሳ ኤርትራ ድማ ዝተቐበልዎ ሓሳብ ምምባሩ እዩ። ኣፍቲ ምንቅስቛስ ተመሳሳሊ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ መንነት ብሓፈሻ ዘለዎም ህዝብ ትግርኛ ናይ ሓባር ሃገር ወይ መንግስት ንመስርት ኢሎም እንትንቀሳቐሱ ትግራይ ትግርኒ ወይ ብሄረ ኣግኣዚ ዝብል እናገላበጡ ብማዕረ ዝጥቀምሉ ሓረግ ምንባሩ ፕሮፈሰር ኣለምሰገድ ኣባይ “Identity Jilted or Re-imagining Identity” ኣብ ዝብል መጽሓፉ ጠቒስዎ ኣሎ።

እዙ ናይ  ትግራይ ትግሪኚ  ሓሳብ ኣብ ናይ ትግራይ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ’ውን ብቕሉዕ ዝተለዓለ ጉዲይ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ግዛ 70ታት ብእኒ በዓል መምህር ዮውሃንስ ተኽለሃይማኖት ዝምራሕ ዝነበረ ‘ ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ‛ ( ግገሓት ) ኤርትራን ትግራይ ከም ሓንቲ ኣካል ክሓብራ ከምዘለወን ጀሚሩ ምንባሩ ይዝረብ። ግን ኣይጸንሐን ወይ ኣይቀፀለን። ኣብ ህወሓትን ሻዕብያን ግን እዙይ ኣይተረኣየን። ህወሓት ናይ ህዝብ ትግራይ ሕቶ ናይ ብሄራዊ ጭቆና ሕቶ እዩ ናይ ኤርትራ ድማ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሕቶ እዩ። ስለዚ ትግራይ ሓራ ኰይና ኣብ ኢትዮጵያ ትቅፅል፤ ኤርትራ ድማ ነፃነታ ትእውጅ ዝብል ኣካይዳ መሪፃ። ሻዕብያ እውን ቁርፅ ዝበለ ብፅሑፍ ዝተገለፀ ቅዋም ዋላ ተዘይሃለወ ሓዱሽ ኤርትራዊ መንነት ንምህናፅ እዩ ተጓዪዩ እምበር ናብዚ ኣምር ትጋይ ትግርኚ ኣይከደን። ብዚ ድማ እቲ ብኒ ሚኒሊክ ዝተጀመረ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ምፍላይ ቀፂሉ እቲ ናይ ትግራይ ትግርኚ ወይ ብሄረ ኣግኣዚ ዝብል ቅጥን ቅሀሙ ፀኒሑ፤ ኣብዚ እዋን እዙይ ግን ብሓዱሽ ትውልዲ ክበራበር ጀሚሩ ኣሎ።

ውጥን ኣግኣዝያውነት ወይ ብሄረ ኣግኣዚ ኣብዚ እዋን

እቲ ናይ 1940ታት ቅጥን ትግራይ ትግርኚ ወይ ብሄረ ኣግዚ ብዋናነት ብናይ ትግራይ ተጋሩ ከም ዝተጀመረ እዩ እቲ ታሪኽ ሰኒድዎ ዘሎ። እዚ ናይ ሐዚ ድማ ብወገን ናይ ኤርትራ ተጋሩ ከም ዝተጀመረ እዩ። እዚ ምንቅስቓስ ዝተፈላለዩ ስያመታት እንደሓለፈ እዩ መፂኡ ዘሎ። መጀመርታ ብ2000 ዓምፈ ከባቢ “ደቀባት-ኣጋኣዝያን” ብዙሕ ጎስጓስ ንቶም ደቂ ምድረ ባሕሪ ክገብር ከም ዝፀንሐ እዩ። ብ2011 ዓምፈ ድማ “ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያውያን” ዝብል ተመስሪቱ። ፅንሕ ኢሉ ድማ “ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን’ ዝብል ስያመ ሒዙ ኣሎ። ሐዚ ሐዚ ድማ “ዴሞክራስያ ሪፐብሊክ ብሄረ ኣግኣዝያን” ናብ ዝብል ስያመ መፂኡ ኣሎ። እቲ ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ዝብልን ሪፐብሊክ ኣግኣዝያን ዝብልን እናገላነጡ ዝጥቀምሉ ዘለው ይመስሉ። ስለዚ ኣብ ሰለስተ ከፊለ ክርኦ መሪፀ ኣለኹ፤ ዴቂ ኣባት ኣግኣዝያን፣ ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያን፣ ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን/ኣግኣዝያን ሪፐብሊክ ብዝብል። እምበኣር ኣብ ሰልስቲአን ዘሎ ቅሩብ ፍልልይ ሪአ እቶም መሰረታዊ ዕላማታቶም ኢሎም ዝዘርዘርዎም ከካፍለኩም።

  1. እቲ ናይ መጀመርታ ደቂባት ኣግኣዝያን፦ ኣግኣዝያን ማለት ኢሉ “ብግምት ኣስታት ካብ ሓደ ሽሕ ዓመታት ንላዕሊ ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ይኸውን፣ ኣግኣዝያን ዝተባህሉ ስማውያን ህዝብታት፣ካብ ከባቢ የመንን ጆርዳንን ኢራቕን ተበጊሶም፣ብቀዪሕ ባሕሪ ኣቋሪጾምን ፈለግ ኒል ተኸቲሎምን፣ንወገን ከበሳ ክሳብ ፈለግ ተክዘ፣ኣብዚ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ዝብሃል ዘሎ ቦታ ተሃዘቡ። ካብኡ ከኣ ንወሎን በጌምድርን ጎጃምን ሰሜናዊ ሸዋን ተስፋሕፍሑ።.” ይብሎም። “ኣጋኣዝያን-ደቀባት ምልክቶም ኣንበሳ እዩ” ድማ ይብል።
  2. ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያውያን ድማ ኣግኣዝያን ማለት “ህዝበ ግእዝ ተዛረብቲ ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን እዮም። መብዛሕትኦም ሰዓብቲ  ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ክኾኑ ከለዉ፡ ዝተረፉ ከኣ ተኸተልቲ ምስልምና፡ ካቶሊክ፡ ከኒሻ፡ ኣይሁድ ወዘተ እዮም።” ኢሉ ይገልፆም። እዚ ማሕበር ዕላማታትይ ኢሉ ብዋናነት ዝገልፆ “ዕላማ እዚ ማሕበር ንሃገረ ኤርትራ መሰል ውሑዳን ዜጋታታ ዘውሓሰት መሬታዊ ሓድነት ህዝቢ ግእዝ ምውሓስ እዩ። ምኽንያት ናይዚ ከኣ፡

ሀ. ህዝበ ግእዝ እቲ እንኮ ወደ ባትን ብብዝሒ ዓብላልን ህዝቢ ስለዝኾነ፡

ለ. ህዝበ ግእዝ እቲ እንኮ ኣብ ዓሌትን እንዳን ዘይተሰረተ ህዝቢ ስለዝኾነ፡

ሐ. ብዙሓዊ ህዝብታት ወይ ዓሌታት ዝተሰረታ ሃገራት ብልጹግን ዲሞክራሲያዊ ሕበረተ-ሰባትን ኣብ ምፍጣር ስለ ዘይዕወታ

መ. ማሕበራዊ ምትእምማን ብዘይ ሓያል ሃገራዊ መንነትን ሓያል ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማን ክፍጠር ስለዘይክእል፡

ሰ. ምስፍሕፋሕ ስነ ሓሳብ ፖሎቲካዊ እስላም፡ ሃገራውነት ኣዕራብ ከምኡ ውን ሃገራውነት ኣምሓራን ህሉው ስግኣት ንመንነት፡ ታሪኽ፡ ባህልን መሬትን ግእዝ ስለ ዝኾነ። ….. ዝኾነ ተወላዲ ግእዝን ነዚ ዕላማ ዝድግፍን ኣባል ማሕበር ክኸውን ይኽእል። ”

 እዙይ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተመስረተ እዩ ኣብቱ ሰነዱ ዝገልፅ ግን ዋና ምንቅስቓሱ ኣብ ወፃእ ዓድታት እዩ። እዚ ማሕበር ቀንዲ መለለዮ ሕላገት አግኣዚናዊ/ ትግራዋይ/ ትግርኛ መንነት ኢሉ ዘቐመጦም ኣርባዕተ ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም። “ሀ. ግእዝ/ ትግርኛ ቛንቛን ፊደላትን፤ ለ. ንመሬትና ኣግኣዝያን/ ትግራይ ( ናይ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን) ዘለና ስምዒት፤ ሐ. ታሪኽናን፣ መ. ታቦትና ወይ ኦሪታዊ ሃይማኖትናን።” እዚ ሰነድ ቅፅል ኣቢሉ “ከም ህዝቢ ግእዝ ክንብልጽግን ተወዳደርቲ ክንከውንን እንተድኣ ኮይንና እዚ ዝስዕብ ስነ ሓሳብ ክንክተል ኣለና” ኢሉ “ምዕቃብ ጥንታዊ ባህልናን መንነትናን ማለት ስድራቤት፡ እምነት፡ ሞያን ሕብረተሰብን፤ ቀጻልነት ዘለዎ ቑጠባ ማለት ስራሕ፡ ዕድላትን ብልጽግናን፤ ብቑዕ ሰራዊት ማለት ሕቡን፡ ጸጥታን ሰላምን፤ ሊበራል ዲሞክራሲ ማለት ናይ ምዝራብ ናጽነት፡ ናይ ኣምልኾ ናጽነት፡ ናይ ድሌታት ናጽነትን ናጽነት ካብ ፍርሕን” የቕምጥ። “ልዕሊ ማንም ግዜ ካብ ዘይምሃላው ግንዛበ መንነትን ዋንነትን ባህልናን ክብርታትናን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቑ፡ መንእሰያትና ናይ መንነት ቅልውላው ኣግጢምዎም ይርከብ።” ዝበለ ሰነድ አዚ ማሕበር  ነዚ ንምክልኻል ድማ “ ባህሊ ግእዝ ሃገራዊ ባህሊ ይኸውን፡ ትግርኛ/ትግረ ከኣ ሃገራዊ ቋንቋ። ፤ቁጽርታት ግእዝ እምበር ናይ ላቲን ቁጽርታት ኣይክንጥቀምን ኢና፤ ባህላዊ ግእዝ ኣስማት ምትብባዕ፤ ናይ ግእዝ ናይ 3000 ዓመት ታሪኽ ክንጽሕፎ ኢና፤ ባህልናን ስነምግባርናን ኣብ ሃገራዊ ካሪክለምን ሚድያን ከነእትዎ ኢና፤ ምምሃርን ምፍታንን ናይ ግእዝ ኣቀራርባን ናይ ገጽ ምልክትን ኣብ ኩሉ ውልቃዊ ይኹን ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከነተኣታትዎ ኢና። ናይ ዋኒን ባህሊ ከነማዕብል ኢና፤ ናይ ግእዝ ናይ ምክልኻል ባህሊ ከነተባብዕ ኢና፤ ንጀጋኑ ታሪኾም ብምምሃር፡ ሓወልታት ብምህናጽ፡ ኣብ ገንዘብናን ሓጻውን ባጤራናን ስእሎም ምውቃር፡ ትካላትና፡ ጎደናታትና ወዘተ ብስሞም ምስማይ፤ ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ኣብ ቀዳመ ሰንበትን ዓበይቲ ናይ ኦርቶዶክስ ብዓላትን ብቐጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ከነማሓላልፍ ኢና፤ ባህሊ ናይ ውሁዳን ክንሕሉን ከነኽብርን ኢና፤ ኣመንዝራነት ብሕጊ ክነወግድ ኢና፤ ናይ ኣልኮላዊ መስተ፡ ሽጋራን ስጋ ሓሰማን መወዓዊዒታት ካብ ሚድያ ክነወግድ፤ ብክብርታትና፡ ባህልናን ልምድናን ዘቋሽሹ ናይ ምዕራብዊ ዓለም ባህላዊ ፍርያት ብሕጊ ክንክልክል ኢና” ኢሉ ዘርዚሩ ኣሎ። እዚ ሰነድ ሕቶ መሬት፣ ኣጣይሻ ሚንስተራት፣ ኣጣይሻ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍርዲን ኣውፃእቲ ሕግን፣ ኣካልት መንግስቲ በቢደረጅኡ ወዘተ እንታይ ከም ዝመስል ዘርዚሩ ኣሎ።

ካብዚ ብተዋሳኺ ኣርማናን ባንዴራናን ኢሉ እውን “ባንዴራና  ንታሪኽና፡ መንነትና፡ ክብርታትናን መስዋእትናን ትገልጽ ክትከውን እያ። ሕብርታት ጻዕዳን ሰማያውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም መዘከርታ ኣብ ክዳውንቶም ዘፈር ክገብሩ ይእዝዞም ነይሩ። እዚ ጻዕዳን ሰማያውን ሕብሪ ምልክት መንነትናን ንቀዳሞት ኣቦታትና ዘለና ተኣማንነትን ዝገልጽ እዩ። ቐይሕ ሕብሪ፤ ቀይሕ ሕብሪ ንምውሓስ ቀጻልነት ታሪኽናን መንነትናን ንብዙሕ ዘመናት ዝኸፈልናዮ ደምና፡ ረሃጽናን ንብዓትናን ዝውክል እዩ። ኣብ ባንዴራና ዘሎ ቀይሕ ሕብሪ ናይ ኣገልግሎት ክብርታትና ዝውክል እዩ። ቐንዴል፤ ቐንዴል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሸውዓተ ብርሃናት( ሽዱሽተ ጨናፍር) ዘለዎ ጥንታዊ ናይ ኣይሁድ ቀንዴል እዩ።ቀዋሚ ቀንዴል ብወርቂ ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብ ተንቀሳቃሲ ቤት መቅደስ ብሙሴ ኣብ በረኻ ደሓር ኣብ ቤት መቕደስ ዮርሳሌም ዝተቀመጠ እዩ። መዓልታዊ ጽሩይ ዘይቲ ኣውሊዕ ነቲ ቐንዴላት ንምብራህ ይሃልኽ ነይሩ። ቐንዴል ከም ምልክት ኦሪት/ኣይሁድነት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ከማኡ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካብ 70 ዓመት ዝተስርሓ ኣብያተ ክራስትያናት ግእዝ ይውክል።” ፤ አርማና፤ ታቦት ማለት ቅዳሕ ንሙሴ ዝተዋህብኦ ጽላት ሕጊ ኮይና ዓሰርተ ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወቕረላን ኣብ ስርዓታት ቤት መቕደስ ጥንታውን ዘመናውን ኣብያተ ክርስትያናትና ንጥቀመላ። ታባት ብተወሳኺ ከም ቅዳሕ ናይ ታቦት ኪዳን ክትምሰል ትኽእል እያ። ንቐንዴል ዝምልከት ኣብ ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማ ወይ ባንዴራ ተመልከቱ። ሃገራዊ ኣርማና ነጸብራቕ ሓበንን ዓሚቕ ኣክብሮትን ንሰማእታትና፡ ቀጻልነትና ከም ጥንታዊ ስልጣነን ንደቅና ክብርታትና ከነውርሶም ሓላፍነትና ከምዘለና እተንጸባርቕ እያ።” ብዝብል ኣቐሚጡ ኣሎ።

  1. እቲ ንዚ ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያውን ስዒቡ ቅሩብ ምምሕያሻት ዘለውዎ ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ድማ ዝስዕቡ መሰረታዊ መትከላት እኒሀውዎ።

ሀ)ቅዋም ሃገራዊ ግንምባር ኣግኣዝያን፦ ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ሓርበኛዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ ሓውሲ ርእሰን ብዘኸኣላ ጨናፍር ዝቖመ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ህላውነትን ቀፃልነትን ህዝቢ ኣግኣዝያን ምውሓስ እዩ።

ለ) መግለፂ መትከላት፦ ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ናይ ኩሎም ዓሌታት ኣግኣዝያነ ማለት ትግራይ-ትግርኚ፣ ትግረ፣ ብሌንን ካልኦት ብዓሌትን ባህልን ኣግኣዝያን ዘኮኑ ኣህዛብ እዩ። ንንሃገራዊን ዓሌታዊን ባህርያት ህዝቢ ኣግኣዝያን ንምዕቃብን መበቆል ህዝቢ ኣግኣዝያን ዘለዎም ህዝቢ ዝዓብለልዋ ሃገር ንምምስራት ይሰርሕ።

ሐ) ሃገራዊ ክብርታት ኣግኣዝያን ብዝምልከት፦

“ዓቢ ክኸውን ዝደሊ ህዝቢ ኣብ ኣብ ምስራጽ ሃገራዊ ክብርታት ወፍሪ ክገብር ኣለዎ። ክብርታት ንኹሉ ባህሊ ኣገደስቲ እዮም። ሓደ ሕብረተሰብ ክብሪ ክወሃቦ ዘለዎን ዘይብሉን ነገራት ክሰማማዕ እንተዘይክኢሉ ክዓዩ ኣይክእልን እዩ። ገለ ነኣሽቱ ጉጀለታት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ምስ ካልኦት ጉጅለታት ዘይካፈል ናይ ገዛእ ርእሶም ክብርታት ክህልዎም ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ሕብረተሰብ ብዘይ ሓባሪ ክብርታት ግን ነብሱ እዩ ዘጥፍእ። ካብ ኹሉ ንላዕሊ ሓደ ሕብረተሰብ ንብዙሕነትን ክብርታትን ዝመዝነሉ ስርዓት ክህልዎ ይግባእ።”

“ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ዘሎ ጋግ ብምጽባብ ቤተ ክርስትያን ንሕብረተሰብ ክተብርክቶ ትኽእል ነገር ብግቡእ ይርዳእ። ክብርታት ናይ ውልቀ ሰባት ወይ ናይ ሓደ እምነት ማሕበረ-ሰብ ዘይኮነ ናይ ኹሉ ሕብረተሰብ ምዃኑ ንኣምን። እዞም ክብርታት ከኣ ካብ ስነ መለኮትን መጽሓፍ ቅዱስን ዝወጹ ኮይኖም፡ ኣብ ዘተፈላለየ ደረጃታት ትርጉምን ኣገዳስነትን ንኹሉ ማሕበረሰብ ዝውክሉ እዮም። እዚኣቶም ንህይወት፡ ዝምድናታት፡ ህዝባዊ ህይወትን ዋላ ኣብ ምሕጋግ ፖሊሲታትን ዝኣትዉ ስርዓታት እዮም።

ግዝኣት ሕጊ (ርትዓውነት)፡ ሕብረተሰብ ኣግኣዝያን ደረጅኡን ሃብቱን ብዘይገድስ ብሓደ ሕጊ ተገዚኡ ይኸይድ። ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ የለን ዋላ መንግስቲ።

ይሁድ-ክርስትና ስነምግባር ( ወርቃዊ ሕጊ)፡ ታሪኻዊ ዝምድና ምስ ይሁድነትን ክርስትናን ንመንነትን ባህልን ኣግኣዝያን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ባህላዊ ስድራ ቤት፡  ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ኣብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኣብ ዝመሓላለፍ ክብርታት ይሙርከስ። ርጉእ ስድራ ቤት መሰረት ርጉእ ሕብረተሰብ እዩ።

 ማሕበረ ሰብ፡ ምቑሉል ሕብረተ ሰብ ብብምቑሉል ህዝቢ እዩ ዝፍጠር፡ ኩነታት ክገጥሞም ከሎ ከኣ ብምቕሉልነትን ቅኑዕን ኣገባብ ይፈትሖ። እቲ ዝዓበየ እዚ ተመክሮ ሃገራዊ ታሪኽና ምዃኑ እዩ።

 ናጽነት፡ ናይ ዘረባን ናይ ሓሳባትን ናጽነት፡ ከምኡ’ውን ንመሰል ዋንነትን ናጽነት ምግዛእን ምልዋጥን ነጻነት ብዘይ ፍርሒ ምህጋር፡ ምስግጋር ዋንነት፡ ዉዕላት ምፍርራምን ንዕኦም ምትግባርን ይጠቓልል።

  ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ኣእምሮኣውን ቑጠባውን ክብርታት ኣለዎ። ትምህርቲ ስእለ ኣእምሮ፡ ፈጠራውነትን ድሌት ፍልጠትን የተባብዕ። ብተወሳኺ ንተመሃሮ ልዕሉ መጠን ክፍሊት ዝረኽብሉ ስራሕ ይፈጥረሎምን ዝበለጸ ቑጠባዊ ውሕስነት ይህቦምን። ብተወሳኺ ተመሃሮ ነበሰ-ፍልጠት፡ ጽቡቕ ስእለ-ነብሲን ርእሰ ምትእምማንን የጥርየሎም።

 ታሪኽን ባህልን፡ ሃገራዊ መንነትናን ሃገራዊ ንቅሓትናን ካብ ታሪኽናን ውርሻናን ዝመጽእ እዩ።ንሑልፍካ ዘይምርዳእ ንሎሚ ብግቡእ ከይትነብራ ዝገብረካ ውድቐት እዩ።

 ሃገራዊ ባህሊ ስራሕ፡ ኣብ ውሽጢ መንፈስ ኣግኣዝያን ዝተወቕረ ድሌትን ድልውነትን ብቕንዕና ምስራሕን ዝግብኣካ ክፍሊት ምርካብን ዝብል ነገር ኣሎ።

ቅርዑይ ምሕደራ፡ ቅንዕና፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ከምኡ’ውን ቀጻሊ ምዕባለን።

እሙንነትን ሃገራውነትን፡ ምውፋይን ለጋስን ፍቕሪ ሃገርና፡ ንመሰረታዊ ክብርታትን ስርዓታትን ግእዝ ብምሉእ ልብኻ ምውፋይ።”

መ) ሃገራዊ መንነት ብዝምልከት፦

“ኣግኣዝያናዊ ሃገራዊ መንነት ካብ ናትና ሃገራዊ ንቕሓት ዝብገስ ኮይኑ ንግንዛበ ሃገራዊ መንነት ማለት ሓባራዊ ርድኢት ብዛዕባ ህዝቢ ግእዝ ዘለዎ ሓባራዊ ዓሌት/ ቋንቋ/ ባህላዊ ድሕረ ባይታን ዘጠቓልል እዩ። መንነት ቀዋሚ ዘይነቓነቕ ነገር ዘይኮነ ብዘተፈላለየ ከም ታሪኽ ዝኣመሰሉ ነገራት ቅርጺ ዝሕዝ እዩ። ዝኾነ ነገር ኣብ ዝተነዋሐ ግዜ ይልወጥ እዩ፡ መንነት ከኣ ኣብዚ ዑደት ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ። ዘይቕየር ነገር እንተድኣ ሃልዩ ግን ብግቡእ ዝተሰነደ ታሪኽን ካብ ዝተሰነደ ታሪኽን ውርሻን ዝትንስእ ሃገራዊ ንቕሓትን ጥራይ እዩ።

እቶም ቀንዲ መለለዩ ነጥብታት መንነት ኣግኣዝያን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦  ሀ. ቋንቋ ግእዝ/ትግርኛን ፊደላት ግእዝን፣ ለ. ንምድርና ሃገረ ኣግኣዝያን( ናይ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን) ዘለና ስምዒት፣ ሐ. ታሪኽና፡ ባህልና፡ ኣነባብራናን ውርሻናን፣ መ. ናይ ይሁድ-ክርስትና ክብርታትናን ስነምግባርናን፤ ካብ አግኣዚናዊ/ትግራዋይ/ ትግርኛ ወጻኢ ዝኾነ ህዝቢ ይኹን ዓሌት እዚኦም ኣርባዕተ ፍሉያት ጠባያትን ፍሉጣት ስሚዕትን ኣይውንን።”

ረ) ዕላማታት ፖሊሲ ወጻኢ ብዝምልከት፦

“ሕመረት ስትራተጂካዊ ሃገራዊ ረብሓታትና ንፖሊሲ ወጻኢና ይቕልሶ። 1 መንነትና፡ ታሪኽናን ባህልናን፣ 2 ሃገራዊ ድሕነት፣ 3 ከም ፋይናንስ፡ ማዕድንን ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ዝኣመሰሉ ጸጋታት፣ 4 ስነ ፍልጠት ቴክኖሎጅን ዘመናዊ ምሕደራዊ ስርዓትን፣ 5 ደገ ዓለምለኻዊ ዕዳጋን፣ 6 ስደተኛ ህዝብናን፤ ስለዚ ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ነዘን ሽዱሽተ ሓገራዊ ስትራተጂካዊ ረብሓታትና ዘሰጉም ይኸውን።”

ክቡራት መንበብቲ እዞም ንቲ መሰረታዊ መትከላትን ዕላማታትን እዚ ኣግኣዝያዊ ምንቅስቋስ የርኢ ዝበልና ካብ ሰነዳቶም ጨላሊፍና ዘቅረብናልኩም ከም ዘለዎ እንታይ መዃኑ ክትርድኡ መእንታን እዩ፤ ኣንቢብኩም ናይ ባዕልኹም ሓሳብ ክትሕዙ ምእንታን እዩ። ምናልባት ኣብ ዝቅፅል አዙይ ክኾን ኣለዎን የብሉን ዝብሉ መማረፅቲ ሓሳባት እንተመፁ ተመራፂ ክኸውን እዩ። ብወገን ምስንዳእ ውራይና እወን ዝቐርብ ሓሳብ ክህሉ እዩ። እዙይ ኢልና እዚ ምንቅሰቓስ ብኒ ተስፋፅዮን (ትክክለኛ ሰሙ እዮብ) ዝበሃል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ብዙሕ ክበሃለሉ ዝፀንሐ ኮይኑ፤ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ጨንፈራት ማሕበር ዝምስርቱ ዘለው ኮይኖም፤ ኣብ ቀረባታት ድማ ብብርክት ዝበሉ መንኣሰይ ተጋሩ እውን ሰፊሕ ሪኢቶታት እናተወሃበሉ እዩ እሞ፤ ብተቐውሞን ብድጋፍን ይቐርቡ ካብ ዘለው ሓሳባት (ንምይይጥ መበገሲ ምእንቲ ክኾን) ገለ ቁንጥር ኣቢልና ክነካፍለኩም።

ብወገን ኤርትራውያን ተዛረብቲ ትግርኛ ንንውሕ ዝበለ እዋናት እናተዘረበሉ ዝፀንሕ አዚ ኣግኣዝያውነት፤ ብውገን ናይ ትግራይ ተጋሩ ቅሩብ ጠመተ ክወሃቦ ዝጀመረ ድሕሪ እቲ ብናይ ብኣዴን መቀነባበራይነት ተፈፂሙ ተባሂሉ ዝእመኘነሉ ኣብ ጎንደርን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሐ በደላት እዩ ክበሃል ይከኣል።ካብኡ ንነጀው ብዝሓት ምንኣሰይ ተጋሩ ቀልቦም ናብዚ ኣግኣዝያውነት ተሳሒቡ ኣሎ፤ ቅድሚኡ እውን ገለ እዚ ሓሳብ ዘሰግሙ ውሑዳት እንተነበሩ። ኣብዚ ከይዲ እዙይ ድማ አዚ ምንቅስቓስ ዓዲ ዘፍርስ ድሑርን ዘይበሰለን እዩ ዝብሉ ምንኣሰይ እውን ብትረት ሓሳባቶም እንትስንዝሩ ተዓዚብና ኢና።

ብመርህ ደረጃ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ሓድነት ዝቃወም ሰብ ሃልዩ ኣይኮነን። ነገር ግን ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝስምዑ ፀረ ዝኾነ ሃይማኖትን ፀረ ዝኾኑ ብሄራትን ዝመስሉ መደምደምታት ስለ ዝንፀባረቑ እዩ ተቐውሞ ዝቕርበሉ ዘሎ። እቶም አዚ ሓሳብ ሰናይ እዩ ዝብሉ ወገናት ካብ ዘሰጉምዎ ሓሳብ ነገሊኡ. “ጉዕዞ የሕዋት ማሕበር ህዝቢ ትግራይ(ኣግኣዝያን) ፈኸም እናበለ ይጉህር ኣሎ። ኣዐርዩ ክጉህርን እናተባረዐ ከይዱ ነዛ ምድሪ ብብርሃን ክሽፍና ይግባእ። ንምንታይሲ ክፈላለ ዘይክእል ዘይግብኦ'ውን ሓደ ህዝቢ ስለ ዘሎ። መን ፈለዮ ሕዱር ቁስልና እናንታዕና ክንቁዝም በረከት የብሉን። መንገዲ ሕውነት ተጀሚሩ ኣሎ ኣብኡ ረጊፅና ንቕድሚት ንምርሽ። እዚ ቅዱስ ጥጅእ ብዓል ዋናኡ ህዝቢ እዩ። ብሩባ መረብ ንኽልተ ተጎዝዩ ውሉድን ወላድን ተፈላልዪ ክነብር ዝተፈርደሉ ህዝቢ! መራሕቲ እዚ ኣጀንዳ ካብ ክልቲኡ ኣብራክ ዝወፁ ክልተ ደቁ! ተጋሩን ተጋሩን! በቢ ዝመሰሎም ሓሳቦም ናብ ንናይ ባዕሎም ህዝቢ ይዝርግሑ ኣልዉ። ህዝቢ ነቲ ጥጅእ ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልዎ እኳ እንተዘይተብሃለ ዓብዪ ምልዕዓልን ፍሒትሕትን ከምዝፈጠረ ግን ኣይከሓድን። ዝተቀደሰ ፍሒትሒት! ርግፅ እዩ! ብወገን ተጋሩ ኤርትራ ንዘመናት ብዝበፅሖም ኣደራዕ መሰረት ገይሮም ኤርትራ(ዱባ ሩባ)ን ቀይሕ ባሕሪን ማእኸል ገይሮም ከካይዱ። ብተመሳሳሊ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ድማ ንታ ንዘመን ዘይኮንስ ንኣዝማን ወለድና ደሞም ኣፍሲሶም ፣ዓፅሞም፡ከስኪሶም ሓዚኦም ከቢሮም ዘፅነሑዋ ዓዲ መሰረት ገይርና ጉዳይ ኣግኣዝያናዊነት ክነሰጉም! ዓለም ሂብካ እትቕበለላ ናይ ምክእኣል ዓለም እያሞ እቲ ጥጅእ ናብ ጉዕሽ ካብ ጉዕሽ ድማ ናብ ፅራይ ወሓላሉ ተጋሩ ኣጋኣዝያን ክሳብ ዝበፅሕ ብዙሕ ጋዕ ገልጥምን ቲዕ! ምንቲዕን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ሓደ ሓደ የዋሃት ተጋሩ ብዙሕ ክድንግፁን ብሓደ ግዘ ክብህርሩን ተራእዩ። ብዋናነት ኣብ ክልተ ነግራት ዝተደረኸ ስግኣት እዩ። እቲ ሓደ ርክብ ህዝቢ ክርስትያንን ህዝበ ሙስሊምን እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ካብ ዝብል ቅዱስ ስግኣት እዩ። ክልቲኦም መሰረታዊ ስክፍታታት እኳ እንተኾኑ ብመንፅር ወድዓውነት ግን እቲ ስግኣት ማይ ዘይቛር ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ፈለማ ምስ ጉዳይ ህዝበ ሙስሊም ዘሎ ርክብ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዝብል ስግኣት ንርአ! እቲ ኣብ ክልቲኡ ህዝቢ ዘሎ ህዝበ ሙስሊም ብእምነት እምበር ብመንነት ኣግኣዝያዊ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣይኮነን ትግራዋይ ሙስሊም! ኣብ ሓደ መስጊድ ወይ ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ነፀላ ዓጢቕና ሓወየ! ሓፍተየ! ኣቦየ! !ኣደየ! ኢልና ሓቢርና ዝበኸና! ኣብ ሓደ ዳስ ዝተደባበስና! ኣብ መርዓን ደርዓን ኣብ ክልተ ድስቲ በሊዕና ኣብ ሓደ ዳስ ዝሳዕሳዕና ሓቢርና ዝሰሓቕናን ሓቢርና ዝጠመናን፣ እቲ ጀግና ህዝቢ ኢትዮ-ሶማል 'ውን ሞት ተጋሩ ኣብ ልዕሊ መቓብር ህዝቢ ኢትዮ-ሶማል እዩ ኢሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዓና ክወግእ ዝተወደረ ኲናት ኣብ ጠላዕ ቀትሪ ደው ኢሉ ዓለም ብዓለማ ከምዘደመመ መዓዝ ዝርሳዕ ኮይኑ?

ብተመሳሳሊ ህዝቢ ዓፋር 'ውን ኣብ ታሪክና ማእገር ተጋሩ ምዃኑን ሓለፋ በይዛና ዝሓልፍ ህዝቢ ምዃኑ መን ይርሰዖ! ምናልባት ነቲ ተስፋፅዮን ደጋጊሙ የልዕሎ ምስ ዘሎ ጉዳይ ማእኸላይ ምብራቕን ዓረባዊ ምትእትታዋትን ፣ ከምኡ 'ውን ኣብዚ ኣብ ሃገርና ይኹን ሃገረ ኤርትራ ውጥም ቅልቅል ዝብል ዘሎ ጉዳይ ኣኽራሪነት ኣይኮነን ንዓና ንህዝበ ክርስትያን ፣ ንቲ ህዝበ ሙስሊም ውን ሓደጋ ምዃኑ ልዕሊና እቲ ህዝበ ሙስሊም ይርደኦ። ምኽንያቱ ብግልፂ፣ ናይ ብዓል ኳታርን ስዑዲ ዓረብን ኣጀንዳ ሓንጊጦም ኣንፃር ሃገራውነትን ኣንፃር ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ዝተሰለፉ ብስም ምስልምና ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ብምህላዎም። ካልእስ ይትረፍ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጭራ ሰይጣን ዝኾነ ISIS/ISILን ተግባራቱን ከም ማይ ዝፀምኦም ውሑዳት ምህላዎም ዘይንክሕዶ ጉዳይ እዩ። እዚ ንክልቲኡ ህዝበ ሙስሊም ይኹን ህዝበ ክርስትያን ሓደጋ ብምዃኑ ክልቲና እንግደሰሉ ጉዳይ እዩ ክኸውን።

እቲ ቀንዲ ዛዕባ ተጋሩ ካብዚ ዛዕባ እንታይ ንርባሕ? ዝብል እዩ። እዚ ኣጀንዳ ክልተ መሰረታዊ ከስብታት ኣለዎ። እቲ ሓደን ቀንድን እቲ ንዘመናት ሽርሒ ተሰሪሕሉ ደምዩ ደምዩ ንክልተ ዝተጎዝየ ሓደ ህዝቢ ዳግም ክትሓቛቖፈሉ ዝኽእል ዕድል በሪ ምኽፋቱ እዩ። ብናይ ግዳም ፖለቲካዊ ቆለ ዝተወረሱ ክልተ ርኹሳት ውድባት(ደቁ) ብዝፈጠርዎ ኣዕናዊ ኲናት ተዳምዩ ተቛሲሉ ርክቡ ንመወዳእታ ብቂምን ቅርሕንትን ክዕፀው ተደልዩ እኳ እንተነበረ እንሆ ሕዚ ብቶም ኣርሒቖም ዝሓስቡ ደቁ ንብሩህ መፃኢ ክልቲኡ ህዝቢ ሓቢሮም ምስራሕ ጀሚሮም ኣለዉ። እቶም ወርቃዊ ክብርታት እናዓቀብና ፣ ዘይተደለዩን ምስ ኣሕዋትና ዘናቑቱና ዛዕባታት ብኣጋ እናስተኻኸልና ሓቢርና ንቕድሚት ክምርሽ ድማ ኣለና። እቲ ካልኣይ ንቲ ከም ኣውሎ ንፋስ ብግዝያዊ ማዕበል ተለዓዒሉ ኣብ ልዕሌና "ዋዲቕ" ክወድቀና ዝህንደድ ዘሎ ሓይሊ ብጫ መብራህቲ ምዃኑ ሕር ሕራይ ገይርካ ንምንጋር እዩ። እቲ ዝገርም ገለ ወገናት ኢትዮጵያዊነት ከም "ኣምስቱ ኣዕማደ ምስጢር" ዘይቕየር ሃይማኖታዊ ዶግማ ገይሮም ምውሳዶም እዩ። ኢትዮጵያ ወለድና ክሳብ ዝፎተይዋ ወዲቖምላ! ንሕና'ውን መሰልናን ኩለመደኣይ ህላወናን ሕልውን ውሑስን ክሳብ ዝኾነ ክንወድቀላ ግዱን እዩ። ኮሪዕናን ተኸቢርናን ንነብር። ንካልኦት ዜጋታት ድማ ዝግበኦም ክብሪ ሂብና ንነብር። ናይ ሓባር ቤትና ስለዝኾነት! እናሓሰርካ እናተዋረድካ ኢትዮጵያዊነት ግን ንምንታይ? ስለዚ ብዚ ኩርናዕ ዝተሰለፈ ሓይሊ ሰገጥ ኢሉ ክልተ ግዜ ክሓስብ ጉዕዞ ኣግኣዝያዊነት ኣብ ነዊሕ ሰገነት ዝተሰቕለ ደወል እዩ። ኩልሃና ናብ ልብና እንተተመሊስና ግን እታ ምድረ ኩሽ ዝተብሃለት ጥንተ ኢትዮጵያ ናብ ናይ ቀደማ እትምለሰሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ። “ ይብል ገረብ ወዲ ፃና ኣብ ፌስቡክ ፔጁ።

ካሊእ ድማ ዘፅኣት (ዶር) ዝብሎ እኒሀ “ኣነ ንዚ ፕሮጀክት፣ ነዚ ምንቅስቓስ ከም ሓደ ዓብዪ ጥሙር ፓኬጅ እየ ዝሪኦ፡፡ ኣብቲ ፓኬጅ ብዙሕ ብሱልን ጥረን፣ ዝረብሕን ዘይረብሕን፣ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕልን ዝዓሰወን፣ ጠቓሚን ጎዳኢን፣ ሂወት ዘለዎን ዝሞተን ወ.ዘ.ተ ሓሳባት ተሓዋዊሶም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ቀስ እናበለ መልክዕ እናሓዘ፣ ዝፀሪ እናፀረየ፣ ዝጎበጠ እናተቓነዐ፣ ዝዕሪ እናዓረየ፣ ዘይዕሪ እናተነፀለ፣ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነ ዝጨነወ እናተሰንደወ፣ ኩሉ ነገር እርኑብ መልክዕ እናሓዘ ይኸይድ፡፡ እዚ ዝርዝር ጥዕና እቲ ፓኬጅ እዩ፡፡

ሓፈሻዊ ጥዕና እቲ ፓኬጅ ሓመቐ ፀበቐ ግን ካብቲ ፓኬጅ ንዓኻ ዝረብሕ መሪፅካ ፈሊኻ ምውሳድ ይከኣል፡፡ ብግልፂ ይርአ ከምዘሎ ኣብ ክልቲኡ ካብ መረብ ንሰሜንን ንደቡብን ዘሎ መንእሰይ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሞንጎ እቲ ከበሰታይ ኤርትራዊ መንእሰይን ኣብ ትግራይ ዝነብር መንእሰይን ርኡይ ዝኾነ ናይ መንፈስ ሓድነትን ምቅርራብን እናፈጠረ እዩ፤ ኣብ ሞንጎ ኤሊታት ክልቲኡ ህዝቢ እውን ተመሳሳሊ ስምዒት እናፈጠረ እዩ፡፡ እቲ ምንቅስቓስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናሓየለ፣ አናገወደ ብዓይኒ ዝረኣይ፣ ብኢድካ ዝድህሰስ እናኾነ እዩ፡፡

ከም ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ካብዚ ፓኬጅ እንተንኣሰ ኣርባዕተ ነገራት ክንረክብ ይምነ፤ 1. ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ትግራዋይ ህዝቢ ዝተነደቐ ናይ ፅልኣትን ተታሓሒዝካ ናይ ምጥፍፋእን መንደቕ ክፈርስ፤ 2. ናይ ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ ረኽቢ ክመሓየሽ፤ ሕውነት ክድልድል፤ 3. ን16 ዐመታት ኣብ ልዕሊ እዞም ህዝብታት ዝተፅዓነን ናይዚ ህዝቢ ዋና ናይ ድኽነት፣ ስደት፣ ሞት መንቀሊ ኮይኑ ዘሎ No-War-No-Peace ፖሊሲ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ዳግም ተፈቲሹ ብኻሊእ ንኹሉ ዝረብሕ ፖሊሲ ክልወጥ፤ 4. ናይዚ ህዝቢ ናይ ድኽነት፣ ሞት፣ ጭቆና፣ ሓሳርን መከራን መንቀሊታት ኮይኖም ዘለዉ ክልተ ካንሰራት (ህ.ወ.ሓ.ትን ሸዓብያን) ካብ ህዝቢ ተነፂሎም ንበይኖም ደው ክብሉን ብኻልኦት ክብሪ ኣያታቶም ዝምልሱ፤ ረብሓን ህልውንናን ህዝቦም ዘረጋግፁ፤ ብእምነት፣ ኣተሓሳስባ፣ ባህሪን ተግባርን ብልቢ ተጋሩ ኣግኣዝያውያን ዝኾኑ ውድባት ክትክኡ፤ 

ካልኦት ዝተፈላለየ ድሌት ዘለዎም ኣካላት ድማ ካብቲ ፓኬጅ ይረብሐና እዩ ኢሎም ዝመረፁዎ ይወስዱ ይኾኑ፡፡ ከም ተጋሩ ግን ካብቲ ምንቅስቓስ፣ ካብቲ ፓኬጅ ክንወስዶም እንደልዮም ረብሓታት ካብዚ ዝተፈለዩ ኣይኾኑን፡፡ ብዝተረፈ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንንነብር ተጋሩ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ዋኒንና ኣይኮነን፣ ክኸውን እውን ኣይኽእልን፡፡ ኣብቲ ፓኬጅ ዝተሓዋወሱ ከምኡ ዓይነት ርስሓታት መሊኦም ክሳብ ዝወገዱን እቲ ፓኬጅ ክሳብ መሊኡ ዝፀሪን ንቶም ርስሓታት እናፈለና ንነብስና ካብኦም ነርሕቕ፡፡ ብኸይዲ ግን ኩሉ ነገር እናጸረየ፣ እናበሰለ፣ እርኑብ መልክዕ እናሓዘ ክኸይድ እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ንመናእሰይ፣ ንኤሊታት ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት መረብ ብተደጋጋሚ ከቕረቦ ዝፀናሕኹ መፀዋዐታ ደጊመ ክጥቅዖ፤ “ኣብ ሞንጎ እዚ ህዝቢ ዘሎ ናይ ፅልኣት መንደቕ ይፍረስ፤ ሰላም ይውረድ፤ እንተንኣሰ ዓድ ዓድና ሒዝና ከም ክልተ ህዝብታት ንቡር ሰላማዊ ጉርብትና ንመስርት፤ ናይ ድኽነትናን ስደትናን ቀንዲ መጋደዲ ኮይኑ ዘሎ ኣይ-ኲናት-ኣይ-ሰላም ዘብሃል ነገር ይኣኽለና ሰላም ይውረድ፤  እንተተኻኢሉ ድማ እቲ ዶብ እውን ይፍረስ፣ ሕውነት ይስፈን፤ ሓደ ንቲ ካልእ እሙን ማእገር፣ ሓው፣ ሓበን ንኹን እምበር ነንሕድሕድና ተጠላሊፍና፣ ተመቓኒና ክንጠፋፋእ ኣይግባእን”።

ካሊእ ንዚ ሓሳብ ዝድግፍ ፀሓፊ “ናይ ህዝብታት ትግራይን ትግርኛን እስትራተጂካዊ ረብሓታት ሓደ እዮም። ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ናይ ትግርኛ ህዝብን ቀይሕ ባሕርን ን20-30 ዓመታት ክነብር ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ከኣ ብዘይ ህዝቢ ትግራይ ን20-30 ዓመታት ክነብር ኣይክእልን እዩ። ንቁጠባዊ ምዕባለ ንህላወ ከም ስልጣነ ተዛሪብናሉ ኣለና። ንዝመጽእ 20-30 ዓመት ገዲፍና፡ ሕጂ ህዝቢ ትግርኛ ብብዝሒ ካብ ኤርትራ ይፈልስ ኣሎ፡ ናይ ኤርትራ ብዝሒ ህዝቢ ከኣ ናብ እስላም ገጹ ይዘዙ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ህዝቢ ትግራይ ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ይግዕዝ ኣሎ። ሎሚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣይኲናት ኣይሰላም ፖሊሲ ትግራይ መዓስከር ሕበረ-ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይና ተሪፋ ኣላ። ብሰንኪ እዚ ኣይኲናት ኣይሰላም ፖሊሲ ህግደፍ እታ ካብ ወደብ ጁቡቲ ኣዝያ ርሒቓ እትርከብ ትግራይ ዘይተወዳዳሪት ኮይና ብቁጠባ ኣዝያ ተሃስያ ትርከብ።” ዝብል መከራኸሪ የቅርብ።

እዚ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያውነት ዝቃወሙ ብክልቲኡ ሸነኽ እኒሀው እዮም። ንኣብነት ካብቶም ብወገን ኤርትራ ኮይኖም ዝቃወምዎ ሓደ ከምዚ ይብል “ኣብዘን ዝሓለፋ ሳምንታት፡ ሓደ ሓደ ብጾትን ኣዕሩኽን ንሓደ ኣብ ዩ-ትዩብ ብሓደ ዜጋ ዝፍኖ ዘሎ ኣዝዩ ኣጸያፊ ቪድዮታት ኣመልኪቶም ክርእዮ ከተባብዑኒ ጸኒሖም። ዝበዝሑ ኣዕሩኽተይ ካብ ብሄረ ትግርኛ ዝውለዱ እዮም (ፈትየ ዝገበርክዎ ኣይኮነን)። እቲ ቪድዮታት ናይዚ ውልቀሰብ ዝረአን ዝብላዕን የብሉን። ብሕጽር ዝበለ፡ እዚ ሓውና ንሓደ “ኣግኣዝያን” ዝበሃል ብትግርኛ ጥራይ ዝቖመ ሃገር ክምስርት ዝጽውዕ እዩ። ኣብዚ ጥራይ ጠጠው እንተዝብል “ጽቡቕ ዕድል” ወይ Good luck!!!” ምበልክዎ። ሰባት ይሓልሙ እዮም። ገሊኦም ምጥን ዝበለን ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ሕልሚ ይሓልሙ። ገሊኦም ሰባት ግን ዘይጭበጥ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ዝተርፍ (fantasy) ይሓልሙ።

ናይ ስነኣእምሮ ክኢላታት ቅሩብ ዓቐን ዘለዎ ሕልሚ-ቐትሪ ኣብ ግዜ ጭንቀት ንውሽጣዊ ወጥሪ የንፍስ እዩ ይብሉ። ስለ’ዚ፡ እዚ ሓውና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣህዛብን ዝፍንዎ ዘሎ ንባህሎምን መንነቶምን ዝምልከት መጠኑ ዝሓለፈ ኣነዋሪ ጸርፍታትን ክስታትን ደኣ እየ ዝቃወም ዘለኹ እምበር፡ ዝደለዮ ዶብ ይጠርር፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዝደለዮ ሃገር ይሸንሽን መሰሉ እዩ ኢለ ምሓለፍኩ። ፋዕርኡ እውን ኣይምገበርኩን። ሳላ ስደት ብዙሕ ርእየ እየ። እዚ ዝነብረሉ ዘለኹ ሃገር ዝህቦ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተጠቒሞም፡ ዜጋታት ዝተፈላለየ ሓሳባት የወናጭፉ እዮም። ገሊኡ ጠቓምን እሩምን ቅቡልን እዩ። ገሊኡ ግን ንካልኦት ማሕበራውያን ጊጅለታት ብኣልማማ ዝኹንንን ዘውንጅልን ዘራስሕን ርኹስ እማመታት ኮይኖም ንረኽቦም።”

ካሊእ ንሓሳብ ብዓል ተስፋፅዮን ኣሚሪሩ ዝቃወም ኤርትራዊ “ ኣብ ትንተንኡ በቲ ሓደ ሸነኽ ተስፋ ክንቆርጽ ከም ዘይብልና ክምህርን ክምዕድን ዝፍትን: በቲ ሓደ ሸነኽ ክኣ ታሪኽ ናይ 3 ሽሕ ዓመት ከም ዘለና: ታሪኽ ተዛረብቲ ትግርኛ ኤርትራን ትግራይን ሓደ ኢና’ሞ ክንሓብር ኣለና: እንተ’ዞም ካልኦት ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ኣህዛብ ኤርትራ ግን፥ ኣይንታይናን ኢዮም ብምባል፥ ኣብ መንጎ’ቲ ንዘመናት ተኸባቢሩ ክነብር ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፥ ነንሓድሕዱ ንቑልቁል ኣተፋኒኑ፥ ሓዊ ክርኩዕ ዝህቅን ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተኹላ፥ መን ምኻኑ ኣጸቢቐ ስለ ዝፈልጦን ብኡ መጠን ክኣ መታን ኩሉ ሰብ መንነቱን እንታይነቱን ተረዲኡ ከለልዮን ክኽዕቦን (ንተስፋፅዮን ምዃኑ እዩ) ይምዕድ”

ብወገን ትግራይ ንዚ ዝቃወሙ ድማ “ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ተሓሲሙ ሪፓብሊክ ኣግኣዝያን ክምስርት ዝደሊ ትግራዋይ እንተሃልዩ መሰሉ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ግና ንዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ብዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኣግኣዝያን ክልውጥዎ ማለት ዘበት!

ትግራዎትን ኢትዮጵያዊነትን ክትፈልዮም ዘይትኽእል  ደምን ጅማትን እዮም፡፡ ትግራዎት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብኢትዮጵያዊነቶም እናኾርዑን ንሓድነት ኢትዮጵያ መስዋእቲ እናኸፈሉን ዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን እዮም፡፡  ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ፣ እንተዝኾነሉ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንኽትምለስ ክፅዕር ወይ ክምነ እምበር ንባዕሉ ካብ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ወፂኡ  ሪፓብሊክ ኣግአዝያን ንምምስራት ፍፁም ዘይሓልሞ እዩ፡፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ካብ ኢትዮጵያ ዝተነፀሉ ህዝብታት ንትግራዎት ይብህግዎም ይኾኑ፤ (ታሪኽ ትግራዎት ንምክፋል ድዮም ወይስ እማን ብምፍታው እዮም ዝሃርፍዎም እኳ ምርኣይ ኣገዳሲ እንተኾነ)፡፡ በዚ በለ በቲ ግና ትግራይን ትግራዎትን ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን  እዮም፤ ኣኸለ!

ዝኾነ ንትግራዎት ዝሃርፍ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘሎ ህዝቢ ግና ንትግራዋይ ናቱ ንምግባር ሓንቲ ኣማራፂት ጥራሕ ኣላቶ፡፡ እታ ንትግራዋይ ናቱ ዝገብረላ ብሕታዊት ኣማራፂት ኢትዮጵያዊ ምዃን እያ፡፡ ስለዚ እቶም "ሪፓብሊክ ኣግኣዝያን" ክምስርቱ ላሕ ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትና፣ እዚ ስለ ዘይሰርየሎም ኢትዮጵያውያን ምዃን እዩ እቲ ዘለዎም እንኮ ኣማራፂ፡፡ ናብ ኢትዮጵያ ምፅንባር ዘይከኣል እንተድኣ ኾይኑ ድማ ክልተ ሃገራት ኮይንካ ብፍቕርን ምትሕልላይን ምንባር ይከኣል እዩ፡፡  ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ንዘለኣለም ትንበር!።”

ካሊእ ሓሳብ ወሃቢ ድማ “•ኣግኣዝያን ተጋሩ እምበር ኣግኣዝያን ኤርትራውያን ብፍፁም ኣይነበሩን፡፡ ኣግኣዝያን ተጋሩ ድማ ሕዚ እውን ኣለዉ፡፡ ተጋሩ ቀደም ኣግኣዝያን ይበሃሉ ነይሮም፡፡ ብናይ ባዕልቶም ዘሐብን ታሪኻዊ ፍፃመን ብድሌቶምን ድማ ሽም ዓዶም ትግራይ፣ ናቶም ሽም ድማ ተጋሩ(ትግራዎት) ኮይኖም፡፡ በቃ እዚኣ እያ እታ ሓቂ፡፡ ስለዚ ኣግኣዚያዊነት፣ ሕዚ እውን ኣብ ውሽጢ ትግራዋይነት ኣሎ፡፡

• ክንንፀል ኢና ኢሎም ካብ ኣግኣዝያዊነት(ትግራዋይነት) ሃዲሞም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣሕዋትና ግና ናብ ትግራዋይነት ክምለሱ ይኽእሉ እዮም፡፡ ናብ ትግራዋይነት እንተተመሊሶም ድማ ኣግኣዝያዊነት እውን ይረኽብዎ ማለት እዩ፡፡

• ካብዚ ወፃኢ ግን ብሰንኪ ቅልውላው መንነት  ኤርትራውነት ናይ ባዕሉ ነዊሕን ሰፊሕን ታሪኽ ዘለዎ ክቡር መንነት ትግራዋይነት ምብራዝ ኣይከኣልን፡፡

• ትግራይ፣ ትግራዎት፣ ትግራዋይነት ዝብላ ሽማት ንሓንቲ ፃት እኳ ክንስእነን ዘይንደልየን ስትንፋስና እየን፡፡ ኣብ ውኽጢ ኢትዮጵያ ድማ ይርከባ፡፡

• ኣግኣዝያን ቀደም ንፅውዐሉ ነይርና፡፡ ብመስደመም ጀግንነት ተጋሩ ድማ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኩነት ናብ ትግራዎት ተቐይሩ፡፡ ስለዚ ኣግኣዝያን ዝብል ሽም  ነቶም ቅድሚ ትግራዎት ዝብል ሽም ምፍጣሩ ዝነበሩ ዘርኢ ሓረግና ዝገልፅ እዩ፡፡ ካበይን ብኸመይን ከም ዝመፃእና ዝገልፅ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ታሪኽና ኣሎ፡፡ ትግራዎት ዝብል ሽም ድማ ድሕሪ እቲ ኣግኣዝያን ዝብል ሽም ስዒብና ንዝመፃእና መፍለዪና፣ መፀውዒና፣ መግለፂ መንነትና እዩ፡፡

• ነዚ መንነት እዚ "ሪፓብሊክ ኣግዝያን" ብዝብል ሽም ምቕያር ማለት መንነት ትግራዋይ ከም ዘየዳግም ምጥፋእ ማለት እዩ፡፡ እዚ ድማ መበገስቱ መንነት ዝተቓወሶም ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ኤርትራውያን እዮም፡፡ እቲ ዘሕዝን ሓደ ሓደ ለዋሃት ትግራዎት እውን ዝድግፍዎ ዘለዉ ምዃኖም እዩ፤ ዋላ እኳ ዘይሰርን ማይ ዘይቛፅርን እንተኾነ፡፡

• ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኮነ ታሪኽ ዓለም ብኹለመዳይ ኣበርክቶ ደሚቖም ዝንበቡ ትግራይን ትግራዋይነትን  ዝብሉ ሽማት ብሪፓብሊክ ኣግኣዝያን ናይ ምቕያር ውዲት ደው ይበል!

• እንተዘየለ ህዝቢ ትግራይ ብናይ ባዕሉ መንገዲ ደው ከብሎ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣሽንባይ ናይ ባዕሉ መንነት፣ መንነት ካልኦት ህዝብታት እንትጭወ እውን ስኽ ኢሉ ኣይርእን፡፡” ኢሉ ፈኸራ ዝተሓወሶ ሪኢትኡ ኣቐሚጡ ኣሎ።

እምበኣርከስ ኣግኣዝያወነትን ምንቅስቓስ ምምስራት ብሄረ ኣግኣዝን ወይ ሃገረ ኣግኣዝያንን ብዝምልከት ከይዱን ሐዚ ዘለዎ ኩነታትን እዚ ካብ በልና ኣብዚ ዝጉዳይ ዘለኩም ሓሳብ ክተካፍሉና ዓደምና ኣብዚ ክንሰናበት።