“ክንቃለስ ኢና ዝመፃእና እምበር ማእከላይ ኮሚቴ ክንከውን ኢልና በረኻ ኣይወፃእናን” ፣ ንሓደ ውድብ ጥራይ ተኣማኒ ምዃን ዘላቂ መፍትሒ ኣየምፅእን፣ ሓድ ውድብ ረብሓኻ ከረጋግፀልካ እትጥቀመሉ መሳርሒ ስለ ዘኮነ ረብሓኻ ክሳብ ዘረጋገፀ ኢኻ ተኣማኒ/ሎያል እትኾነሉ”

ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)image 0 02 05 c6c91deb7a11c41fb940bf4a88a52b588174df94150cf0a51c7ed53eeffe23a2 V 1

ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) መስራቲ ህወሓት እዩ። ንህወሓት ጠፍጢፉ ሰሪሕዋ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ጥጅእ ክሳብ ፅራይ ኣብፂሕዋ ዝብል ይገልፆ ይመስለኒ። ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ተመሃሮ ንጡፍ ተዋሳኣይ ዝነበረ፤ ደሓር እውን ዝተወሰኑ ኣዕርኽቱ ኣተኣኻኺቡ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ዝመስረተ ኣረጋዊ በርሀ ካብቶም ንደደቢት ወፅኦም ሽግ ሓርነት ዝወልዑ ዕንቁ ደቂ ህዝቢ ሓደ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ መራሒ ነይሩ። ኣብ ገድሊ ዝነበሮ መፀዊዒ ሽም በሪሁ እዩ። በሪሁ ክሳብ 1971 ዓም (ን 4 ዓመታት) ኣቦመንበር እቲ ውድብ፤ ካብ 71 ክሳብ 77 ሓላፊ ወታደራዊ ጉዳያት፤ ካብ 78 ክሳብ 80 ዓም ኣብ ድምፂ ወያነ መዳለዊ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ኮይኑ ኣገልጊሉ። ካብኡ ንደሓር ካብ ውድብ ተሰናቢቱ ንወፃኢ ከይዱ ክሳብ ዶክትሬት ዲግሪ ተማሂሩ ኣብ ስራሕቲ ምርምርን ፖለቲካዊ ንጥፈትን (Tgrean alliance for national democracy ዝብል ውድብ ኣጣይሹ ይንቀሳቐስ )ይርከብ፤ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ፣ ኣውሮፓ ይነብር፣ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቖልዑን እዩ።  ኣብ ጅግንነትን ብቕዓትን ኣረጋዊ በርሀ ዝጠራጠር ተጋዳላይ ኣይረኸብኩን። ገለ ብፆቱን መቓልስቱን ከመይ ይገልፅዎ ኣስዒበ ከቕርበልኩም፦

ኣቦይ ስብሓት ብዛዕባ ጅግንነት ዶ/ር ኣረጋዊ እንትዛረብ “ሰብ ከይዱ ብህይወት ክምለሶ እዩ ዘይበሃል ብድፍረት ከይዱ ይመፅእ፤ ኣይከኣልን ዝበሃል ከም ዝከኣል ብትግባር ዘርኢ፤ ብዙሓት ተጋደልቲ ብትብዓትን ብቖራፅነትን ክቃለሱ መርኣያ ዝኮነ፣ ወነ ዘዕጠቐ እዩ፤ ሰብ ብምህናፅ ተወዳዳሪ ኣይነበሮን፤ ዓብዪ ወታደራዊ ናይ ጅግንነት ባህሊ ሃኒፁ እዩ፣ በሪሁ ጅግንነት ኣብ ህወሓት ከም ባህሊ ክህነፅ ኣብ ምግባር ዝነበሮ ተራ ብቓላት ንምግላፅ የፀገም እዩ” ይብል (ኣብ EBS ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕን ንኢያሱ መንገሻ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕን)

ጀ. ፃድቃን ብወገኑ “ኣረጋዊ ብውልቅኡ ጅግና ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብነሃተይ እምነት ኣብ ህወሓት ጅግንነት ከም ባህሊ ንክኸውን/ንኽሰርፅ ኣብ ምግባር (ብተግባር ብምርኣይን ብዘረባ ብምግላፅን) ዘይትካእ ተራ ነይርዎ” ይብል። ጀ. ፃድቃን ቅፅል ኣቢሉ ብዛዕባ ኣብቲ መጀመርታ እዋናት ዝነበረ (ቅድሚ ምስረታ ማለሊት) ኩነታት ኣብ ዝገለፀሉ ፅሑፉ “ኣረጋዊ ይኹን እቶም መጀመርታ ካብ ንእሽተይ ጉጅለ ጀሚሮም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ይድግፉ እዮም ዝበልዎም ሰባት ኣተኣኻኺቦም፤ ከቢድ ናይ ውደባ ስራሕ ሰሪሖም ቃልሲ ክጅመር ኣግቢሮም፤ ኣብቲ ፈታኒ ዝነበረ ህልውናኻ ናይ ምርግጋፅ መድረኽ ትኽክለኛ ዝመሰሎም ውሳነ እናወሰኑ እቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ተጋድሎ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ወታደራዊ ሓይሊ ማንም ክደፍኦ ናብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ዘብፅሑ፤ እዚኣም ኣብቲ መጀመርታ 10 ዓመታት መሰረታዊ ውሳነታት እናወሰኑን እናመርሑን ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ንድሕሪት ዘይምለሰሉ ኩነታት ዘብፅሑ ኮሎም ከም ኩሉ ፈታዊ ዓዱ ትግራዋይን ከም ምስኦም ኮይነ እጃመይ ዘወፈኹ ሰብን ዓብዪ ከበሬታ ኣለኒ። ኣረጋዊ ካብዚኣቶም ብቕድሚት ዝስራዕ ጅግና ትግራዋይ እዩ።” (ውራይና 18)።

ብስራት ኣማረ ኣብታ “ፍኖተ-ገድል” እትብል መፅሓፉ “ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ኣብ ግዜ መሪሕነቱ ብዘርኣዮ ብቕዓትን ኣልቦ ፍርሒ ጅግንነትን ኣብ ህዝብን ውድብን ዝለዓለ ክብሪ ረኺቡ እዩ። ብፀላኢ ከም ሰይጣን፣ ብህዝብን ብተጋደለትን ድማ ሞት ዘይትንክፎ ኣንበሳ ተባሂሉ። ጅግንነትን ወነን ኣረጋዊ በርሀ ንተጋዳላይ ህወሓት መርኣያን ኣብነትን ኮይኑ ሰራዊት ህወሓት ሰፈር ዝወፀሉ ድንብርፅ ዘይብል ቆራፅ ጅግናን ክኾን ኣኽኢሉ እዩ። ከም ኣያተታቱ የውሃንስን ኣሉላን ካብ ምንም ተላዒሉ ብዝገርም ድፍረትን ጥበብን ዘርኣዮ ስብእና ንቡዝሓት ምንጪ ወታደራዊ ክእለትን ፍሉይ ጥበብን ኮይኑ እዩ። ከምዙይ ኮይኑ እውን ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ህወሓት ብዝለዓለ ድምፂ  ኣቦመንበር ክኾን ዝተመረፀ ኣረጋዊ ብሰናይ ፍቐዱ ኣነ ይትረፈኒ ኢሉ ንስብሓት ነጋ ክምረፅ ኣቕሪቡ/ጠቁሙ ስልጣን ብሰላም ኣሕሊፉ ዝሃበ እዩ። እዙይ ኣረኣእያ ድማ ኣብቲ ውድብ ስልጣን ደላዪ ምዃንን ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ግዜ ምቕማጥን ፅቡቕ ዘይምዃኑ መልእኽቲ ኣሕሊፉ እዩ”

ካሊእ ጅግንነት ዶ/ር ኣረጋዊ ዝገልፅ፤ ኮ/ል እያሱ መንገሻ “መለስ ዜናዊና የህወሓት የትግል ጉዞ፣ ቅፅ 1” ኣብ ዝብል መፅሓፉ ገፅ. 239 ከምዚ ይብሎ “ኣብቲ ወቕቲ (ክሳብ 1976 ዓም) ሽሙ፣ ዝንኡን ስልጣኑን ከም ውቅያኖስ ባሕሪ ዝገዘፈ፣ ሰማይ ዝኣክል ዝሰፍሐ ተባሂሉ ዝእመነሉ ፍጥረት። ከም ግመል ተጓዒዙ ዘይደክም ፣ ዝተፈጠረ ሓዱሽን ኣፀጋሚን ኩነታት ድንብርፅ ዘየብሎ፣ ፍርሕን ድንጋፀን ብጥቕኡ ተወዝ ዘይትብሎ፣ ኣብ ዝኮነ ኣሎ ዝበሃል ኣፀጋሚ ኩናት ዘይጠፍእ፣ ካብ ትምህርትን ስልጠናን ዘይኮነስ ካብ ዝረኸቦ ተግባራዊ ልምድን ንባብን ኣብ ወታደራዊ ኣመራርሕኡ ዝነበሮ ፍልጠት፣ ክእለትን ብቕዓትን ተኣምር ዘበለ ፍጥረት እዩ በሪሁ”

ብብፁቱ ብከምዚ ዝግለፅ ጅግና ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ ኣብ ታሪኽ ተጋድሎን ሐዚ ዘሎ ኩነታትን ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ሂቡና ኣሎ። “ኣብቲ ዘይተርፍ ምግዳልን ዘይተርፍ ዓወትን ህይወትካ ሰሪዕኻ ናይ እማን ዝተጋደልካ ብፃይ ከመይ ኣለኻ! ብንእሰነትካ ከም ባሕታዊ መኒንካ፤ ኣብ በዓትን ቋቁራን ኣብ ሞሮርን ገሓርትን … ፈፈው ዝበልካ ተጋዳለይ ትግራይ ከመይ ኣለኻ! ኣንታ በዓል ሽራራን ሸንሸልን፤ ኣንታ በዓል ጋምባለን ኹሽኩን፤ ኣንታ በዓል ዕላማን መትከልን፤ ከመይ ኣለኻ! … ሓውን ማይን ኢኻ። ከም ሓራስ አድጊ ቦቕቧቕ፤ ከም ሓራስ ነብሪ ትንድር ረመፅ ዘይትዕኮት ኢኻ። ንዅናት እትቅልስ አቦ ጓይላ ኣቦ ብሬን ከመይ ኣለኻ። ቁምብላታት ረሽራሽ ናይ ፋሽሽቲ ከም ኣይሂ ዝናም ኣብ እንግዳዕኻ እናፀሓየ፤ መሬት ጉሂራ ባል ባል ኢላ ግመ ባሩድ እናገላህኻ ከም ስልኪ እናተዓፃፀፍካ ድፋዓትን ድሩዓትን ትብንቅር … ተጋዳላይ ትግራይ ከመይ አለኻ?” እትብል ፅሕፍቲ ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡን፤ “ንጉሰየ ዓይኖመይ ዓይኖመይ፣ክኾሉዃ ኣይሓቆም እንድዮምየ፣ ክዘምቱኻ ኣይሓቆም እንድዮምየ፣ … ስብእነትካስ ሓሊፉ ተሪፉ… ንጉሰየ ንጉሰ ሪኢኻያ እዛ ዓለም…” እትብል ናይ ዳዊት ሽላን ደርፊን ኣንጊደ እየ ናብ ቃለ መጠይቕ ዶ/ር ኣረጋዊ ከስግረኩም፤ ሰናይ ንባብ።

ውራይና፦ ቃልሲ ቅድሚ ምጅማርኩም ማለት ህወሓት ቅድሚ ምምስራትኩም ተመሃሮ ኮይንኩም ብዙሕ ምንቅስቓስ ነይርኩም እሞ ንሃትካ ተሳትፎ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ መሰረት ገይርካ እቲ ከይዲ እንተዋጋዕኻና?

ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፦ ብርግፅ ናይ ህዝቢ ትግራይ መከራን ሽግርን ዘበገሶ ምንቅስቓሳት ነይሩ እዩ። ንሕና ውፅኢት ናይቲ ሽግር ኮይና ንቲ ሽግር ንምፍታሕ፤ ካብ ዝተሰመዐና ጀሚሩ ዋላ ካልኣይ ብርኪ (ሃይ ስኩል) ተመሃሮ ኮይና እውን ንንቀሳቐሰ ነይርና ኢና። ናይ ቅድሚት ዕድልና እውን ኣብቲ ናይ ህዝብና ፍትሒ ምርካብ ምዃኑ ተረዲኡና ትምህርትና ይኹን ካሊእ ስራሕትና በዚ ቃልሲ ዝተቓነየ እዩ ኮይኑ ነይሩ። ካብኡ ዝተለዓለ ኣብ ዩኒቨርስቲ ከይድና እውን እቲ ቃልሲ ከመይ ኢሉ ክፍጠርን ናበይ ገፁ ክኸይድ ከም ዝግበኦን ምስቲ ኣብኡ እንረኽቦ ትምህርቲ ይኹን፤ ምስቲ ብኢትዮጵያ ደረጃ ኣብኡ እንገብሮ ነበርና ምንቅስቓስን እናተሓሓዝና ክንሪኦ ጀሚርና። ኣብ ህዝብና ውሽጢ እነኣተና እውን ምንቕቓሕ ምፍጣር፣ ምውድዳብ ምፍጣር ጀሚርና። ካብዚታት እዩ እቲ ምንቅስቓስና ዝጅምር። ከይዱ ከይዱ ኸዓ ናብ ተሓህት ደሓር ህወሓት ምፍጣር በቒዑ።

ውራይና፦ ክጅመር ከሎ፤ ናብ በረኻ ክትወፅኡ ከለኹም ብዙሕ ውሳነታት ነይሩ እዩ፤ ገለይኹም ንኸተማ፣ ገለይኹም ንበረኻ፣ ገለይኹም ናብ ታዕሊም ናብ ሻዕብያ ኢኹም ተኸፋፊልኩም እሞ፤ ናይዙይ ኣወሳስናን ዘለካ ተዘክሮን እንተተካፍለና?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እቲ ቃልሲ ክንጅምር ኣለና ኢልና ምስ ወሰና፤ እቲ እንጅምረሉ ቦታ እውን ትግራይ ምዃኑ ምስነፀርና፤…. ብርግፅ ሓደ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ክትጅምር ከለኻ ብፍላይ ኣንፃር እቲ ዘሎ መንግስቲ ዝኮነ ምንቅስቓስ ክትጅምር ከለኻ ብዙሕ ነገር ከም ዘድልየካ ፍሉጥ እዩ። ካብ መፃሕፍቲ ዝረኸብናዮ ተሞኩሮታት እውን መሰረት ገይርና፤ እምበኣር ቃልሲ ክንጅምር እንተኾይና ሓደ ዕጡቕ ሓይሊ ከድልየና እዩ። ካልኣይ ዝተፈላለየ ናይ ህዝቢ ውዳበታት ከድልየና እዩ። ንዙ ዘግብር ኣወዳድባን ድልውነትን ከም ዝህሉ ኣሚናሉ ናብቲ ቃልሲ እንትንወፍር ከምቲ ዝበልካዮ ብሰለስተ መልክዕ ኮይኑ፤ ገለይና ናብ በረኻ ከይድና እቲ ቃልሲ ብዕሊ ምጅማሩ ብእዋኑ ክነብስር ናብ ደደቢት ወፊርና፣ ገሊኦም ከዓ ኣብ ሻዕብያ ከይዶም ወታደራዊ ስልጠና ክረኽቡ ገይርና፣ ገሊኦም ከዓ ኣብ ከተማ ኮይኖም ንቲ ህዝቢ ክውድቡን ንቲ ውድብ ዘድሊ ሓገዛት ከተኣኻኽቡን ቀፃላይ ዝኾነ ናይቲ ኣብ በረኻ ዝንቀሳቐስ ውድብን ናይቲ ኣብ ገጠርን ከተማን ዝኒሀ ህዝብን ርክብ ንምትሕሓዝ እሞ ሓቢሩ ንኽቃለስ ንምግባር በዚ መልክዕ አዙይ ተዋፊርና ኢና።

ውራይና፦ ንበረኻ ደደቢት ካብ ዝወፁ ንስኻ ሓደ ነይርካ፤ ዝትወሰኑ ናይ በረኻ ተሞኩሮ ዘይብሎም መንኣሰይ እውን ኢኹም ሒዝኩም ከይድኩም እሞ ከመይ ተፃዊርኩሞ ኣብቲ መጀመርታ? ውሑዳትን ናይ በረኻ ልምዲ ዘይብልኩምን ምስ ምዃንኩም ማለተይ እየ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ብርግፅ! ኣካላዊ ፀገማት ክነብር እዩ፤ ነይሩ እውን እዩ። ኮይኑ ግን.. ብሓቂ ድሌት እንድሕር ሃሊዩ ዘይፍንፃሕ ከውሒ የለን፤ ዘይስገር ፀገም የለን፤ ድፍኢት ስለ ዝነበረ፣ ናይ ህዝቢ እምነትን ንህዝቢ ኢልካ ናይ ምስዋእ ቁርፀኝነትን ስለ ዝነበረ፤ ዋላ እኳ ንሕና በረኻ ዘይንፈልጥ ኣብ ትምህርቲ ዝነበርና ሰባት፣ ብዘይካ ቢሮን ወረቐትን ካሊእ ፍልጦ ዘይነበረና ሰባት እንተኾና እቲ ድሌት ስለ ዝነበረ ግን ክንፃወሮ ኪኢልና። ካብ ምፅዋር ሓሊፉ ‘ውን ብሓቂ ኩርዓት ይስመዐና ነይሩ። ይትረፍ ፀገም ክስመዐና፣ ምንፅርፃር ክስመዐና…. ዋላ ‘ውን ሽግራት እንተነበረ ከም ጥምየት፣ መንገዲ ጉዕዞ፣ ፃምእ ማይ፣ ፀሓይ፣ ቁሪ፣ ሕማም፣ ወዘተ ፀገማት እኳ እንተነበረ፤ እቲ ናይ ምቅላስ ድሌት ስለዝነበረ ተፃዊርናዮ ብተሓጓስ ኢና ንንቀሳቐስ ነይርና።

ውራይና፦ መቸም ከምዙይ ናይ ቃልሲ ወነ ሃሊዩኳ ፍናን ተሰሚዖካ ክትቃለስ ከለኻ ዕንቅፋት ኣይሰኣንን፤ የጋጥም እውን ነይሩ በቢግዚኡ እሞ እቲ ፈላማይ ሕንፍሽፍሽ ናይ 67 ዝበሃል ከመይ እዩ ነይሩ? ብኸመይ ከ ፈቲሕኹምዎ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እወ ሕንፍሽፍሽ ነይሩ እዩ፤ እቲ ቀዳማይ ሕንፍሽፍሽ እንብሎ እውን ንሱ እዩ። ንሱ ከመይ እዩ ተፈጢሩ ..እእእ.. ካብ ገጠር መፂኦም ታዕሊም ዝወሰዱ ኣጓብዝ ነይሮም። ንሳቶም እቲ ኣረኣእየኦምን ንቕሓቶምን ንሰብ ርኢኻ ምቅላስ እምበር ዓርስኻ ኪኢልካ ትቃለስ ዝብል እምነት ስለ ዘይነበሮም፤ መብዛሕትኦም ካብ ከባቢ ሽረ ንብፃይ ስሑል ኣሚኖም ዝወፁ እዮም ነይሮም። ሐዚ ንሳቶም፤ ብፃይ ስሑል ይኹን ብፃይ ብርሃነ(ፍትዊ) ኣየለ ማዕረ ምስቲ ካሊእ ተቓላሳይ ኮይኖም ክቃለሱ ክሪኡ ኸለው ደስ ኣይበሎምን። አቲ ዝርአ ማዕርነት ብኣኣቶም ከምዚ ንስሑል ምንእኣስ ገይሮም ተርጉሞሞ። ቀፃሊ ዕድልና ‘ውን ፅቡቕ ኣይኸውንን ናብ ዝብል መደምደምታ ዝበፅሑ ይመስሉ። ደሓር ንቲ ማዕርነት ዝፈጥር ዘሎ ተመሃራይ ወገን፣ ንዕኡ ኣጥፊእና ክንቅፅል ኣለና ዝብል ሓሳብ ሒዞም ምንቅስቓስ ገይሮም። ግን እቲ ምንቅስቓሶም ብቐሊሉ ተፈሊጡ፤ ብዓል ስውእ ብፃይ ቆቛሕ (ፀጋይ) እዮም ምስኣቶም ይቀራረቡ ስለ ዝነበሩ ብቐሊሉ ፈሊጠሞ ክኸሽፍ ኪኢሉ። ምስ ብፃይ ስሑል ይኹን ምስ ብፃይ ብርሃነ ኣየለ ተረዳዲእና እቲ ቓልሲ ቀፂሉ።

ውራይና፦ እቲ ቃልሲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝመፀሉ ምኽንያት ህዝቢ እናተቐበሎ ስለ ዘኸደ እዩ ዝብል እምነት ኣሎ። ብምንታይ ምኽንያት እዩ ህዝቢ ትግራይ ክቕበለኩም ክኢሉ? እንታይ እዮም እቶም ምስ ህዝቢ ዘተኣሳሰርኹም ገመዳት? ንቲ ናይ ህዝቢ ተቐባልነትን ደገፍን ከመይ ትዝክሮ ወይ ከመይ ትገልፆ ሎሚ ኮይንካ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እቲ መሰረታዊ ነገር ናይቲ ህዝቢ ተቐባልነት እዩ። ህዝቢ ጨኒቕዎ እዩ ነይሩ። ግፍዒ በዚሕዎ፣ መሪርዎ.. ዝብለካ እእእ ኩሉ ዝፃወተሉ ህዝቢ እዩ ኮይኑ ነይሩ። ዋላ ተራ ሽፍታ ‘ውን ከም ድላዩ ዝዕንድረሉ እዩ ነይሩ። መሰሉ ተሓዲጉ ነይሩ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ፍትሒ ይደሊ ነይሩ። ፍትሒ ፀሚእዎ፣ ፍትሒ ናፊቑ ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ንምቅላስ ቅሩብ እዩ ነይሩ” ንሕና ‘ውን እቲ ቃልሲ ክንጅምር ከለና እዙይ ተኣማሚና ኢና ጀሚርናዮ። ስለዝኾነ ‘ውን ብድፍረት ቀሪብናዮ ንቲ ህዝቢ። መዓት ሽፍታ፣ መዓት ናይ መንግስቲ መሓውራት እነሃለወ እዙይ ከይፈራሕና ምስቲ ህዝቢ ብቐጥታ ርክብ ጀሚርና፣ ምንቅስቓስ ጀሚርና። ብርግፅ ኣብዙይ ኣብቲ መጀመርታ እዋን ብፍላይ፤ ከምኒ ብፃይ ስሑል (ገሰሰ ኣየለ) ዝመሰሉ ነዊሕ ግዜ ናይ ቃልሲ ተሞኩሮ ዝነበሮም (ኣብቲ ከባቢ ማለት እዩ) ሰባት ብዙሕ ኣስተዋፅኦ ገይሮም አዮም። ኮይኑ ግን ኣብ ኩሉ ይፍለጡ ነይሮም ማለት ኣይኮነን። እቲ ዋና እቲ ህዝቢን እቲ ውድብን ምንቅስቓስን ከገጣጥም ዝኸኣለ እቲ ዝነበረ ወፅዓ ንኽፍታሕ ዝነበረ ናይቲ ህዝቢ ድሌት እዩ።

እዙይ ከዓ እቱ ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበለና ገይሩ። ንሕና ‘ውን ብሓቂ ንቲ ህዝቢ ዝኸውን መፍትሒታት ሒዝና ኢና ቀሪብና። ብቐዳምነት እቲ ዝነበረ ሽፍታ ክጠፍእ፤ ፍትሒ ክረክብ እቲ ህዝቢ፤ ድምፁ ክስማዕ፣ ዝመስሎ ነገር ክዛረብ፣ መፍትሒ ክደሊ ዘይገበርናዮ ፃዕሪ የለን። በዙይ ዝተለዓለ ኸዓ ኩሉ ተቐቢሉና። እቲ ዓቢዪ ይኹን፣ መንእሰይ ይኹን፣ ደቂ ኣነስትዮ ይኹና ወዘተ ንኹሉ ፍትሒ ሒዝናሉ ስለ ዝመፃእና ብእዋኑ ማለት እዩ፤ ደቂ ኣነስትዮ ከይተረፋ ብግልፂ ክድግፋና ምሳና ክስለፋ ጀሚረን፤ ህፃውንቲ ቆልዑ ‘ውን ክድግፉና ክፈትውና ጀሚሮም። ስለዚ ቆልዓ እንድሕር ደጊፉካ፣ ሰበይቲ እንድሕር ደጊፋትካ፣ መንእሰይ እንተደጊፍካ… ኩሉ ሕብረተሰብ ደጊፉካ ማለት እዩ። ዋላ እትወሰነ ክፋል ዘይደገፈካ ተተረፈ ይወሓጥ ብቲ ካሊእ ሕብረተሰብ። ይዝክር እየ ሓደ ዓብዪ ሰብኣይ እዮም ኣብ ከባቢ ኣንከረ ዝነብሩ እዮም፤ ኮፍ ኢሎም ሓደ ግዜ ከፃዉትና ከለዉ፤ መሬቶም ተወሲዱ ተኸፋፊሉ ነይሩ እሞ ቅሬታ ዝነበሮም እዮም፤ “እንታይ እሞ ይኹን¸ኣንስትናን ደቅናን እንዶ ደጊፎምኹም፤ ስቕ ኢልና ሓቑፍና ክንሕዘኩም እምበር” ኢሎም ናይ ልቦም ተዛሪቦምና ነይሮም፤ ስለ ዘቕረቡና እዮም ከምኡ ኢሎም ተዛሪቦም። ስለዚ እቲ ህዝቢ ዝድግፎ ዕላማ ሒዝና ተስኢና ስለዝነበርና እቲ ድጋፍ ዘተኣማምን እዩ ነይሩ።

ውራይና፦ አሺ ዶ/ር ኣብ 68 ወርሒ ለካቲት ቀዳማይ ዓመት ምስረታ ውድብ ክተኽቡሩታ እንተለኹም ኩሉኹም ተጋደልቲ ተራኺብኩም ከም ዝነበርኩም ይዝንቶ እዩ። ናይ መሪሕነት ምልውዋጥ ወይ ስሩዕ ናይ መሪሕነት መረፃ ከም ዝገበርኩም ‘ውን ይዝረብ እዩ፤ ኣብዙይ ዝነበረ ኩነታት ከ ከመይ ነይሩ? እቲ ከይዲ ኣመራርፃ መሪሕነት ከ? ከመይ ኢኻ ትዝክሮ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  እወ! ሽዑ ዝነበረ ኣጠቓላሊ ኩነታት እንታይ እዩ፤ ኩሉ ብድሌት ንኽቃለስ፣ ብድሌት ንኽስዋእ ዝመፀ ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣነ ክመርሕ ኣነ ክመርሕ ዝበሃል ምውጣጥ ኣይነበረን። እኳድኣስ ንስኻ ትሕሽ ንስኻ ትሕሽ ንስኻ ምራሕ ዝበሃሃለሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ካብዙይ ዝተላዓለ፤ ሓደ ብፃይ ስሑል ኣብነት ኮይኑና እዩ። ብፃይ ስሑል ኣብቲ ናይ ሽዑ መረፃ ወሪዱ እዩ። ዝወረደሉ ድማ ቅድም ኢሉ እናነገረና መፂኡ እዩ፤ ንስኻትኩም መንኣሰይ ኢኹም፣ ንስኻትኩም ዝተመሃርኩም ኢኹም፣ ብዙሕ ዘንበብኩም ኢኹም፣ ናይ ካልኦት ቃልሲ ተሞኩሮታት ትፈልጡ ኢኹም ዘንበብኩሞ ማለት እዩ፤ ስለዚ እቲ ኣመራርሓ ናባኹም ክጥቕለል ኣለዎ። ኣነ ኣሕሊፈ ክህብ ኣለኒ። ኣነ እታ ዝኽእላ ናይ ህዝቢ ርክብስ ይዅን ካሊእስ ይኹን ስራሕቲ ክሰርሕ አየ ኢሉ እቲ ሓላፍነት ናባና ይድርብዮ ነይሩ። እሞ ኣብቲ ናይ ዲማ ጉባኤ መረፃ ክግበር ከሎ ክወርድ ሓቲቱ፤ በቲ ዝሓተቶ መሰረት ከኣ ተቐቢልናዮ። ካብኡ መረፃ ተገይሩ ናይ መጀመርታ ዕላዊ መረፃ ማለት እዩ፤ ኩሉ እቲ ተጋዳላይ ከምቲ ዝበልካዮ ተኣኪቡ ፕሮግራም ኣፅዲቑ፤ መስረቲ ንዝነበርና ‘ውን መራሕቱ ገይሩ መሪፁና።

እቲ ዝተመረፀ ማእኸላይ ኮሚቴ ኸዓ ንዓይ ኣቦወንበር ኩን ኢሉኒ፤ ግደፉኒ እንተበልኩ ንስኻ ትሕሽ ኢሎም ንዓይ ኣቦወንበር ገይሮምኒ። ካብ በልኩም እሺ ኢለ ተቐቢለ። ግን እቲ ኣሰራርሓና ናይ ሓባር እዩ ነይሩ ኩሉሻዕ፤ ተዋረድ ወይ መወቕር ስልጣን (hierarchy) ኣይነበሮን። ንምንታይ እዩ hierarchy ዘይነበሮ፤ ኩሉ ተኸፋፊሉ ዝመስሎ ዝሰርሐሉ ኩነታት እዩ ነይሩ ብሐደ ገፅ። ብኻልኣይ ገፅ ከዓ ሽዑ ናይ ደባይ ምንቅስቓስ ስለዝኾነ ሓደ ስጡም መዋፈሪ ‘ውን ኣይነበረናን ኮፍ እንብለሉ። መብዛሕትኡ ኣብቲ ናይ ምንቅስቓስ እዩ። ኣብቲ ናይ ጋንታታት ደሓር ከዓ ሓይሊታት ምንቅስቓስ እዩ ዝዋፈር ነይሩ። ኣቦወንበር ኮይኑ፣ ምክትል ኣቦወንበር ኮይኑ ዋላ መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ኢሉ ዝሰርሐሉ ነገር ኣይነበረን። ተበታቲኑ ኩሉ ዓይነት ስራሕቲ ዝሰርሐሉ ኩነታት ‘ውን ስለ ዝነበረ አቲ ኣመራርሓና ብኸምዚ መልክዕ ክሳዕ አቲ ቀዳማይ ጉባኤ ቀፂሉ እዩ። አሞ አቲ ናይ ኣመራርሓ ከይዲ እዚ መልክዕ እዚ እዩ ነይርዎ ብሓፈሽኡ።

ውራይና፦ ናብ 69 ክንመፅእ ከለና እቲ ዘይርሳዕ ነገር ሕንፍሽፍሽ 69 እዩ ነይሩ። ከቢድ ንውድብ ኣዚዩ ፈታኒ ከም ዝነበረ ‘ውን ይዝንቶ እዩ። ብዙሕ እውን እዩ ዝዝረበሉ (ብኣፈላላያት ዝግለፅ ማለተይ እየ) እሞ ንስኻ ብኣቦወንበርነት እትመርሐሉ ዝነበርካ እዋን ስለዝኾነ ከመይ ብዝበለ ኣገባብ እዩ ተፈቲሑ? እንታይ ሳዕቤን ከ ኣብፂሑ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እቲ ሕንፍሽፍሽ ናይ 69 እንታይ እዩ መበገሲኡ፤ እተወሰኑ ኣባላት ቅሬታ ይስመዖም ነይሩ። “ንምንታይ ንደቡብ ትግራይ ዘይንንቀሳቐስ? ንምንታይ ምስ ኢዱ ንዋጋእ? ንምንታይ እኒ እከለ እኒ እከለ ዓበይቲ እዮም ዓቕሚ ኣለዎም ናብ መሪሕነት ዘይድይቡ?” ከምዚታት ዝመሳሰሉ ሕቶታት ዘልዓልዎ እዮም። እቲ ሽግሩ እቲ ሕቶታት ምልዓሉ ኣይኮነን። ክልዓል ግቡእ እዩ ንቡር እዩ ዝኾነ ሕቶ ክተልዕል። ደሓር መልሲ ኸዓ ትረክብ። መልሲ እንተዘይ ኣዕጊቡካ ቅር ክብለካ ይኽእል፤ እንተዕጊቡካ ድማ ተሓጉስካ ቃልስኻ ክትቅፅል ትኽእል። ከምኡ ንኸይኸውን ግን እቲ ሕቶታት ውሽጢ ውሽጢ እዮም ዘልዕልዎ ነይሮም፤ እቶም ዝሕንፍሹ ዝነበሩ ሰባት። ብዘይስሩዕ ውሽጢ ውሽጢ የልዕልዎ “ኣይሰምዑናን፣ ኣይፈትሕዎን” ዝብል ስሚዒታት ‘ውን ነይርዎም። ገሊኦም ‘ውን ናይ ስልጣን ህርፍ ዝነበሮም ‘ውን ነይሮም።  ንሕና ዘይንመርሕ ዝብሉ ‘ውን ነይሮም እዮም። ካብዚ ዝተለዓለ ኣብቲ ተጋዳላይ ሕማቕ ስሚዕታት እናተጋፍሑ ከይዶም። ብዙሓት ‘ውን ክስልሙ ጀሚሮም ማለት ንቲ ቃልሲ እናገደፉ ናብ ደርጊ ይኹን ናብ ወፃኢ ወይ ናብ ካልኦት ውድባት ምህዳም ተጀሚሩ። ስለዚ እዚ ነገራት እዚ ንታ ውድብ ከፍርስ ይኽእል እዩ ብምባል ጠጠው ክብል ኣለዎ ካብ ዝብል እምበኣር ምፅራይ ይጀመር። እዚ ነገር እዙይ ናብ ካሊእ ሓደጋ ከየብፀሐ ምፅራይ ክጅመር ኣለዎ ተባሂሉ ኮሚቴ ተፈጢሩ ናብ ምፅራይ ተኣትዩ። ስለዚ እቲ ሕንፍሽፍሽ መንሲኢኡ እዙይ እዩ።

ኣፈታትሕኡ ኸ ከመይ ነይሩ? ንዝበልካዮ፤ ኣፈታትሕኡ ቅሩብ ሓይለ መልጢ ዝነበሮ ጭካነ ዝተመልኦ እዩ ነይሩ ምባል ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ገሊኦም ካብቶም ሓንፈሽቲ ዝበሃሉ ሰባት እተቐተልሉ ኩነታት ስለ ዘሎ፤ ማዕሮ ክሳብ ምቕታል ዘብፅሕ ዶ ነይሩ እንተይልካ (ሐዚ ኮይንካ ምልስ ኢልካ እንትትሪኦ) ኣይነበረን። ንፁር ስነ ስርዓት፣ ንፁር ሕጊ፣ ጥቡቕ ዝበለ ኣሰራርሓ ስለ ዘይነበረ ኩሉ በቢ ዝሓለፎ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈርደሉ፤ ዝኾነ ማእኸላይ ኮሚቴ ንዝኾነ ቅፅዓት ዝብይነሉ፤ ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ ስርዓት ዝሓዘ ኣካል ዘይነበረሉ ኩነታት ስለ ዝነበረ ብዙሕ ጌጋታት ተፈፂሞም እዮም።

ውራይና፦ አሞ እቲ ፀገም ዝበኣሰ ወይ ጌጋታት ክፍፀም ዝኸኣለ  ፀረ ዴሞክራስያዊነት ስለ ዝነበረ ድዩ? እቲ ሕንፍሽፍሽ ጌጋ ብምንባሩ ስለ ዝነበረ እዩ? ናበየናይ ኣመዚና ክንገልፆ ንኽእል?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ዋእ! ናይቲ ሕንፍሽፍሽ ኣበጋግሳ ፀረ ውድብ እዩ ነይሩ፤ ብግልፂ ንምዝራብ። eventually (መወዳእትኡ) ‘ውን ውድብ ንምፍራስ ዝሃቀነ እዩ ነይሩ። ብቲ ከይዲ እቱይ ውድብ እያ ክትፈርስ ነይራ፤ ጠጠው ተዘይነብሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ስሩዕ ዝኾነ ሕቶ ኣቕሪብካ ብስሩዕ መንገዲ ንኽፍታሕ ፃዕሪ ኣይተገበረን። በዚ ምኽንያት እዙይ ሓደገኛ ምንባሩ ክንርኢ ኣለና። ኣፈታትሕኡ ኸዓ ብማእሰርትን ብኻሊእ ዓይነት መቕፃዕትን ክውዳእ ዝኽእል ዝነበረ ስለ ዝኾነ ዝተወሰኑ ሰባት ሞት ፍርዲ ስለ ዝተበየነሎም ቅሩብ በዚ ምኽንያት እዙይ harsh ጭካነ ዝተመልኦ እዩ ነይሩ።

ውራይና፦ ምስ ኢድዩ ዝነበረ ደማዊ ኩናት ብዙሕ አዩ ዝበሃለሉ (ክሳብ ከኾን ዘይነበሮ ኩናት እዩ ዝብሉ ‘ውን ኣለው) እሞ ኩነታት ኢደዩን ዝነበረ ውግኣትን ምስ ነሃትካን ዝሃብኩሞ መሪሕነትን ዝነበረ ኣጠቓላሊ ኩነታትን ድማ ዘክረልና?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ኢደዩ ብመሰረቱ ዋላ ዴሞክራሲ ይበሉ እምበር፤ እቶም መራሕቲ ናይ ኢደዩ ‘ውን እንተሪኢናዮም ናይቲ ናይ ቐደም ስርዓት ዝነበረ   ኣባላት ዝነበሩ እዮም። ንሳቶም አዮም ዝመርሕዎ ነይሮም። ብዓል ራእሲ መንገሻ፣ በዓል ጀነራል ነጋ ተገኝ ከምኦም ዝመሳሰሉ ሰባት እዮም ዝመርሕዎ ነይሮም። እዚኣቶም ናይቲ ናይ ሃይለስላሰ መስፍናዊ ስርዓት ኣባላትን መራሕትን እዮም ነይሮም። ስለዚ ብመሰረቱ ናብቲ ዝነበርዎ ስርዓት ክመልሱና እዩ ድሌቶም ነይሩ። አቲ ኩነታት ግን እቲ እዋኑ ግን ንዚ ዝፈቅድ ኣይነበረን። ሽዑ ማሕበራዊ (ሶሻሊስታዊ) ስርዓት ክንሃንፅ ኢልና ኢና ንቃለስ ነይርና። ስለዚ ከም ፀላእቲ ኢና ሪኢናዮም ካብ መጀመርታ ጀሚርና። ከም ፀላእቲ ሪኢና ክንዋገኦም ኣለና ዝብል ኣተሓሳስባ እኳ እንተነበረና ግን ብኸመይ ዓይነት ኢና ክንዋገኦም? ብኸመይ ዓይነት ኢና ንቃወሞም ዝብል ዝርርብ ነይሩ ኣብ ውሽጥና፤ ብሓቂ ንቲ ዝስዕቦም ዘሎ ተራ ሓረስታይ ንሱ ናይ ህዝቢ ወገን ስለ ዝኾነ ምስኡ ክንዋጋእ የብልናን፣ ንዕኡ ናባና ክነእትዎ ኣለና፤ ስለዚ ምይይጥ ክግበር ኣለዎ፣ ምዝርራብ ክግበር ኣለዎ፤ ደርባዊ ምሕዝነት ኣብ ግምት ዘእተወ ምርድዳእ ምዝርራብ ክካየድ ኣለዎ ካብ ዝብል ተበጊስና ብዙሕ ናይ ምርድዳእ ፃዕርታት ተኻይዱ እዩ። 

ኢሉ ኢሉ ግን መወዳእትኡ ናብ ውግእ እዩ ተኣትዩ። ምኽንያቱ ኢድዩ ሓይሊ ተሰሚዕዎም፣ ጉልበት ተሰሚዕዎም፤ ቅሩብ ትምክሕቲ ‘ውን ነይሩ ናይ ጠበንጃ ናይ ምፍላጥን ናይ ምምላኽን፤ ብዙሓት ሸፋቱ ስለ ዝነበሩ ምስኣቶም… ማለት ፍሉጣት ዝኾኑ ሸፋቱ፣ ትግራይ ብምልኡ ዝፈልጦም ሸፋቱ ‘ውን ስለ ዝነበሩ፤ ተኮስቲ ኢና፣ አዚኣቶም ተመሃሮ እዮም፤ ወረቐት ጥራሕ አዮም ዝቐዱ ዝውዕሉ፤ ዝብል ትምክሕቲ ‘ውን ስለ ዝነበሮም፤ ኣብርእሲኡ ኸዓ ናይ ወፃኢ ሓገዝ’ውን ነይርዎም። ካብ ሱዳን ጀሚሩ፣ አኒ ሳውዲ ዓረብያ፣ እኒ ኣመሪካ ይሕግዝዎም ነይሮም። ምኽንያቱ እቲ ዝነበረ ስርዓት ክመልሱ ስለ ዝኾኑ። ካብዚ ዝተልዓለ ካብና ሚኢቲ ግዜ ዝተዓፃፀፈ ዕጥቂ’ውን ስለ ዝነበሮም ንዓና ንኽገብጡ ወሲኖም፣ ተንቀሳቒሶም። ኣብ እኒ ሑመራ ‘ውን ደርጊ ኣጥቂዖም እቲ ከባቢ ስለ ዝተቖፃፀሩ ፍናን ረኺቦም ናዓና ‘ውን ከጥፍኡ ከምዝወሰኑ ፈሊጥና፤ ፈተነ’ውን ገይሮም ኣብ ሸራሮ ብዙሕ ጉድኣት ‘ውን ኣብፂሖምልና። ክሳብ ዓዲ ነብሪኢድ’ውን ናይ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ምክልኻል ውግእ ክንገብር ተገዲድና። ብሓቂ ደፊኦምና፤ ብዙሕ ጉድኣት’ውን በፂሑና። ይኹን እምበር እቲ ናትና ናይ ቃልሲ ኣካይዳን ትረትን ፅኑዕ እምነትን ተደማሚሩ ንኢድዩ ቀስ ብቐስ ክነዳኽሞም ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ህዝቢ መሰረት የብሎምን፤ እቲ ውፁዕ ህዝቢ ንቲ ንሕና ሒዝናዮ ዝኒሀና ዕላማ እዩ ዝድግፍ። ስለዚ ንቲ ሓይሎም እናዳኸምና ክንድምስሶም ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ስለ ዝነበረ በቲ ዝቐየስናዮ ስትራተጂን ስልትን መሰረት ቐስ ብቐስ ኣብ ክልተ ሰለስተ ዓመት ክነሽንፎም ኪኢልና ኢና።

ውራይና፦ ክሳብ አዙይ ብዙሓት ውግኣት ተካይዶም ኣለው፤ ብዙሓት ጅግንነታት’ውን ተራእዮም ኣለው ክሳብ 69 መወዳእታ ማለት እዩ፤ ፍሉይ ጅግንነት ተጋደልቲ ትዝክር ተኸውን ኢኻ፤ ክሕለፍ የብሉን እትብሎ ፍሉይ ጅግንነት፣ ዳርጋ ኩሉ ጅግና እኳ እንተነበር ግን ንዓኻ ናብ ኣእምሮኻ ዝመፀልካ እንተዘከርካልና ብዝብል አየ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ሽዑ ዝነበረ ተጋዳላይ አከለ ካብ አከለ ከይበልካ ብሓቂ ውፉይ እዩ ነይሩ። ጅግና እዩ ነይሩ። ንድሕሪት ዘይብል እዩ ነይሩ። ብርግፅ ሓደ ክልተ ንድሕሪት ዘንሰሓሕብ ዝሃድም ኣይሰኣንን፤ ዋላ ፍሉጣት’ውን ዝሃደሙ ኣለው እዮም። እቲ ዝብዝሕ ግን ጅግና ስለ ዝኾነ እከለ እከለ ኢልካ ምዝራብ ኣሸጋሪ እዩ፤ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ተመሳሳለይ ጅግንነትን ተመሳሳላይ ውፍይነትን ዘርኢ እዩ ነይሩ። ስቕ ኢሉ ቀልጢፉ ዝመፀለይ ክነግረካ እንተኾይነ.. እኒ በዓል ወዲ ሓጎስ፣ ገብሩ ዝበሃል ነይሩ፣ ተስፋማርያም፣ ዳኒኤል ጅፊዒት፣ ዋልታ፣ ንርአ፣ .. ዋእ ቆፂርካ እኮ ኣይውድኡን።20160929 195742 1 1

ውራይና፦ ኣፀጊመልካ መሰለኒ.. ደሓን ንሕለፎ እሞ፤ እምበኣርከስ ፍሉይ መስዋእትነት እትብሎ ምናልባሽ ‘ውን እንተሃልዩ .. እገለ ዝበሃል ብኸምዚ እንትስዋእ ካብ ዓይነይ ኣይስወረኒን እትብሎ እንተሃልዩ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እወ ኣሎ። ተስፋማርያም ዝበሃል ነይሩ ሽዑ መራሒ ሓይሊ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ጥቓይ ተሰዊኡ ባዕለይ ዝቐበርክዎ  ነይሩ። ከመይ ዝበለ ፈላጥ፣ ውፉይ፣ ሊቅ፣ ጅግና፣ ንቑሕ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ። ዋላ ክስዋእ እንተሎ እውን ዓይኒ ዓይንና እናረኣየ “ኣይዘኹም ብፆት ክንዕወት ኢና፣ ቀፅልሉ” እናበለ እናተዛረበ ዝተሰወአ እዩ። ካልኦት ‘ውን ከምኡ ዓይነት ከም ዝነበረ ይዝከረኒ ሐዚ ኮይነ ይረኣየኒ እዩ፤ እዙይ ‘ውን እዩ ክሳብ ሐዚ ዘቃልሰኒ ዘሎ።

ውራይና፦ ሽዑ  ኣቦወንበር ኢኻ ነይርካ ኣብ ጥቓኻ እንድሕር ተሰዊኡ ኣብ’ቲ ውሽጢ ውግእ ነይርካ ማለት ድዩ ኣበመንበር ኮይንካ?   

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ኩሉ እኮ እዩ ዝዋጋእ ነይሩ ሽዑ። ንድሕሪት ዝተርፍ ኣይነበረን። መራሒ እየ ከምዙይ እየ ኢሉ ንድሕሪት ዝተርፍ ኣይነበረን። ኩሉ ማዕረ እቲ ኩሉ ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእትነት ክኸፍል ኣለዎ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረ ኣብ ኩላትና፤ ንሕና እንተተሰዊኢና ‘ውን እዩ ክስዕበና ዝኽእል፣ ክኣምን ዝኽእል፣ ክውፈይ ዝኽእል፣ ዝብል ልባዊ እምነት ስለ ዝነበረና ኩሉትና ኣብ መስመር ውግእ ብማዕርነት ኢና ንስለፍ ነይርና።

ውራይና፦ ሙሴ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሽረ መንዚዕኹም እንትተውፅእዎ ኣብምንታይ ነይርካ ሽዓ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ካብቶም ናብቲ እሱር በት ኣትዮም ንሙሴ ሒዞም ዝወፁ ሓደ እየ ነይረ። በዓል ስዩም፣ ቀለበት፣ ኣስገደ ወዘተ ነይሮም። ስለዚ ብሓባር ተኣኪብና ተሓባቢርና ብደቒቓታት ዝወደአ ኦፕረሽን ኣውፂእናዮ።

ውራይና፦ ኣብ 70 ምስ በፃሕኹም እቲ ቃልሲ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ስለ ዝተፈለጠን እቲ መንእሰይ እውን ስለ ዝተረደኦን ናብቲ ቃልሲ ምውሓዝ ጀሚሩ እዩ። ቤት ታዕሊም እንዳመልአ ‘ውን ብዙሓት መንኣሰይ ተመለሱ ትብሉ ነይርኩም። ብዛዕባ እዚ መድረኻዊ ለወጢ ከመይ ትዝክር?

 ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እቲ ቃልሲ ብዙሕ መንእሰይ ክቕበሎ ኪኢሉ እዩ ከምቲ ዝበልካዮ፤ ብሓቂ ብዙሕ መንእሰይ ምንም ከይወደብናዮ፣ ከይሰራዕናዮ፣ ከየበልናዮ  ብበዝሒ ናብቲ ቃልሲ ከውሕዝ ጀሚሩ እዩ። እቲ ቓልሲ ከዓ ብምዕራብ ትግራይ ስለ ዝተጀመረ መብዛሕትኦም ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝበዝሕ ነይሩ መጀመርታ … አዚ ሓቂ እዙይ  ብፍላይ ብ69 ኣብቲ ሕንፍሽፍሽ ካሊእ ትርጉም ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ… ግን ወድዓዊ ሓቂ ዘምፅኦ ድኣ እምበር ፈፂሙ ካሊእ ምኽንያት ኣይነበሮን፤ ካሊእ መበገሲ ከህልዎስ ይትረፍ ንመልሶም እውን ኢና ነይርና፤ ንኣብነት ኣነ እኳ ዝመለስክዎም ዝዝክሮም እኒ ዳዊት ብርሃነ ናብ ፆሮና ከባቢ መፂኦም ችዱ ተመለሱ ኢልና ኣፈራሪሕና መሊስናዮም ግን በኻሊእ ተዘዊሮም ክዓ ዝተሰለፍሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። እዙይ ናይቲ ቃልሲ ዋዒ ዝፈጠሮ ኩነታት እዩ። ነዙይ መሰረቱ ከዓ እቲ ኣብቲ ህዝቢ ዝነበረ ወፅዓን ጭቆናን ዝመረሮ ምዃኑ ክስመረሉ ዝግባእ እዩ።

ውራይና፦ ካብ ካልኦት ውድባት ብዝበለፀ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ሓቑፍዋ እዩ፤ ኣዐዊትዋ ‘ውን እዩ። እንታይ እዩ እቲ ሚስጥር?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እቲ ሚስጥር ናይቲ ህዝቢ ድሌትን ናይ መፍትሒ ኣንፈት ምርኣይን ተስፋ ምግባርን ተደማሚሩ ዝፈጠሮ ስሚዒት እዩ። እቲ ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበላ ጀሚሩ፤ ደቁ ድማ ክሰድድ ጀሚሩ። እንድሕር ደቅኻ ሰዲድካ ናብ ቃልሲ እንድሕር ደቅኻ ተሳቲፎሞ ዓብዪ ምትእስሳር ተፈጢሩ ኣሎ ማለት አዩ። ስለዚ እዙይ ወዱ ዙይ እዩ ንቲ ውድብ መሰረት እነሓዘ ክኸይድን ኣብ ርእሲኡ ‘ውን ብፍላይ ኣብቲ መጀመርታ እዋናት ፍትሒ ነይሩ። ኣብቲ ገጠር ህዝቢ ፍትሒ ይረክብ ነይሩ ብቲ ውድብ። ኩሎም እቶም ክፍሊ ህዝቢ ዝበሃሉ ኣብቲ ገጠራት እናተንቀሳቐሱ ፍትሒ ይህቡ ነይሮም። ማንም ተጋዳላይ ‘ውን ሽግር ኣብቲ ሕብረተሰብ ክርኢ ከሎ ፍትሓዊ ዝኾነ ስራሕ ንኽሰርሕ ይመሃር፣ ይስልጥን፣ ይለዓዓል ሰለ ዝነበረ ኩሉ ፍትሒ እንደሃበ እዩ ዘኸድ ነይሩ። ተጋዳላይ ክርኢ ከሎ እቲ ህዝቢ ፍትሒ ‘ውን ሒዝሉ ከም ዝመፀ ገይሩ ስለ ዝኣምን ሓንጎፋይ ኢሉ ይቕበሎ ነይሩ። ማይ ይህቦ፣ የብልዖ፣ ፀላኢ እንተሃልዩ ኣብቲ ከባቢ ይሕብረሉ ይከላኸለሉ፤ተጠንቀቑ ደቅና ይብል ወዘተ። ስለዚ ብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ተደማሚሩ ኣብቲ ህዝቢ ሱር ምስዳድ ተኻኢሉ፤ እቲ ህዝቢ ‘ውን ክሕግዝ ክኢሉ…… እእእህህህህ….. ብርግፅ! መወዳእትኡ ካሊእ ኮይኑ!!

ውራይና፦ ተረዲአካ… ንሱ ደሓር ክንመፆ ኢና። እዚ ኩሉ ቃልሲ ክግበር ከሎ እቲ ቃልሲ ከቋርፅ ካብ ደርጊ ይኹን ካብ ካልኦት ሓይልታት ሽምግልና ብ ምልኣኽ ይኹን ስለላታት ብምልኣኽ እንታይ የጋጥም ነይሩ? ኣቦወንበር ስለ ዝነበርካ ከም ውድብ ዘጋጥሞ ዝነበረ እንተትነግረና?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ብርግፅ ደርጊ ይከታተለና ነይሩ፤ ንመሪሕነት ይከታተል እዩ፣ ናይ ስለላ ክስታያት ‘ውን ይሰድድ እዩ። ከም ዝሰድድ ‘ውን ንፈልጥ ኢና። ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ከም ዝዋፈር ርዱእ እዩ፤ ርዱእ ስለ ዝነበረ ‘ውን ኩላትና ዝግባእ ጥንቃቐ ንገብር ነይርና፤ ንዚታት ‘ውን ሽምና ንቕይር ኣነ ንኣብነት በሪሁ ነይሩ ካሊእ ግዜ ‘ውን ካሊእ ነይሩ። እቲ ኣነባብራና ‘ውን ካብቲ ተራ ተጋዳላይ ዘይተፈለየ ስለ ዝኾነ ኣይንፍለይን መን እዩ መራሒ ኢልካ ክትፈሊ ቀሊል ኣይነበረን። ከምዚኦም ዝበሉ ጥንቃቐታት ብምግባር ንቲ ናይ ፀላኢ ናይ ስለላ ምንቅስቓሳት ነፍሽሎ ነይርና።

ብሽምግልና ዓይነት እኳ አዙይ ዝበሃል ናይ ሽማግለ ወፍሪ ነይሩ ትብሎ ኣይኮነን። ብርግፅ ሓደ ሓደ ግዜ .. ዝዝክሮ ብፍላይ ኢድዩ ጠንኪሩ ምስ መፀ ሰጊኡ… ማለት ዘስግእ እዩ ነይሩ ናይ ኢድዩ ኣመፃፅኣ፤ ደርጊ ሰጊኡ ነይሩ፤ ተጠቒዑ ‘ውን እዩ ኣብ ሕሞራን መተማን። እዙይ ምስ ኣስገኦ ደርጊ ምሳና ዝርርብ ክገብር ካብ ሽረ ሽማግለታት ይልእኽ ነይሩ። ንሕና ‘ውን ምፍርሑ ሪኢና ዕጥቂ ‘ውን ስለ ዘይነበረና ዕጥቂ ይህበና ይኸውን እዩ ኢልና ንቶም ሽማግለታት ፅቡቕ ክንራኸብ ንኽእል ኢና ክንተሓጋገዝ ንኽእል ኢና ኢልና ሰዲድናዮም በዙይ ‘ውን ዝተራኸብናሉ እዋን ነይሩ። ግን  ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኣይነበረን።

ውራይና፦ ኣበይ ትራኸቡ ነይርኩም? መን ምስ መን ተራኺብኩም?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ወከልቲ ናይ ደርጊ ረኺቦምና ነይሮም ብቶም ሽማግለታት መማእኸላይነት ማለት እዩ። ምስ ረኸብናዮም ወሰንቲ ኣካላት ዲኹም ኢልናዮም፤ ኣይ ንሕና ኣዘራርብዎም ኢና ተባሂልና እምበር ላዕለዎት ኣካላት ኣለው ኢሎምና። እምበኣር ምስቶም ወሰንቲ ኣካላት ኣራኽቡና እሞ ከምዙይ ከመዙይ ዝበለ ድሌት እዩ ዘለና ኢልናዮም፤ እሺ እምበኣር ንሓለፍትና ክነፍልጥ ኢና ኢሎም ከይዶም ብኡ ገይሮም ተሪፎም።

ውራይና፦ ካብ ዓድዋ ግን ብ69 ይመስለኒ ብናይ ደርጊ መራሒ ኣቶ ፍስሃ ደስታ ሽማግለታት ንፆሮና ሊኢኾም ነይሮም ንዓበይቲ ዓዲ ዓድዋ ኪዱ ደቅኹም ኣምፅኡ ኢሎም ይበሃል እዩ፤ እዙይ ሓቂ ኣይኮነን?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እወ! ብዓል ፍስሃ ደስታ ዝልእኽእዎም ዝነበሩ ሽማግለታት ደቅኹም ምለሱልና ዓይነት እዩ።  ንስኻ ውላድካ እዩ ዝመርሕ ዘሎ ዝቃለስ ዘሎ ኪድ ኣምፅኣዮ ዓይነት እዩ። እዙይ እቲ ቃልሲ ንምፍራስ ስለ ዝኾነ ሽምግልና ትብሎ ዓይነት ኣይኮነን። ዝብለካ እቶም ሽማግለታት ‘ውን ይርድኦም እዩ፤ ንሕና ‘ውን ትርጉም ዘለዎ መልእኽቲ እዩ ኢልና ኣብ ግምት ነእትዎ ኣይነበረን። ብግልፂ እቲ ውድብ ፈሪሱስ ብሰላም ይእተው ንምባል ዝገብሮ ዝነበረ መልእኽቲታት እዩ። ትርጉም ዘለዎ ምዝርራብ ኣይኮነን።

ውራይና፦ ምስ ካልኦት ውድባት ብዛዕባ ዝነበረኩም ርክብ ንኣብነት ምስ ኢህኣፓ፣ ግግሓት.. ወዘተ ከመይ ኢኻ ትገልፆ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ካብ መጀመርትኡ ጀሚርና፤ ካብ ደደቢት ጀሚርና ምስ ካልኦት ሓይልታት ክንሰርሕ ድሌት ነይሩና እዩ። ዓብዪ ድሌት ነይሩ። ሓደ ምስ ግግሓት ዝበሃል ኣብ ጀብሃ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ዝስልጥኑ ዝነበሩ ተጋሩ ርክብ ጀሚርና ኢና፤ ምስ ባዕላ ምስ ጀብሃ ‘ውን ርክብ ጀሚርና ብሓባር ንምስራሕ ብዙሕ ፅዒርና ኢና። ፃዕርና ግን ተኾሊፉ እዩ። ዝተኾለፈሉ ምኽንያት ንሕና ብዝወሰድናዮ ስጉምቲ ጥራሕ ገይሮም ዝወስድዎ ሰባት ኣለዉ። እዙይ ብመሰረቱ ጌጋ እዩ። ናብቲ ስጉምቲ እቱይ ዘእተወና ንሳቶም ዝገበርዎ ተግባራት ነይሩ። ንብዙሓት ኣብ ውሽጦም ዝነበሩ ሰባት ዘጥፍእሉ ኣብነት ንበዓል ኣማረ ተስፉ፣ ሙሴ ኪዳነ፣ ብዙሓት ናብ 17 ዝኾነ ሰባት ዘጥፍኡ ምዃኖም ምስ ፈለጥና ምስ እዚኣቶም እንተሰሚርና ደም ምጭምላቕ እዩ ስለዚ ጠጠው ክነብሎም ኣለና ኢልና ኣብኦም ስጉምቲ ወሲድና ኢና። እቲ ስጉምቲ  ብርግፅ ከይተሓሰበ ሓደ ክልተ ተሰዊኦም እዮም፤ ብሰላም ክውዳእ ኢና ፃዕሪ ገይርና። ኣብቲ ምስ ኢህኣፓ ዝበልካዮ…….

ውራይና፦ ቅድሚኣ ግን ኣብታ ናይ ግግሓት ወንጀለኛታት ስለ ዘኾኑ ብሓደ መኺርና ኣብ ቁፅፅር ንእትዎም ዝብል ምኽሪ መኺርኩም ከም ዝኣተኹም እዩ ዘሎ መረዳእታ እሞ…..

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እወ! መኺርና ኢና ኣቲና። ከምኡ እኮ እየ ዝብል ዘለኹ። ምስእዚኦም ምቕፃል ስለ ዘይከኣል፤ ንቆፃፀሮም ንሓዞም ንዑ ሕበሩ ኢልና ምእንቲ ደም ምፍሳስ ከይህሉ ብምዝርራብ ብረትኩም ኣርግፉ እሞ ንዘራረብ ኢልና ንሓዞም ኢልና መኺርና ኢና ኣቲና። ብሓይሊ እንተኾይኑ ብዙሕ መስዋእቲ ከየጋጥም ምእንቲ። ብቲ ዝሓሰብናዮ ሙሉእ ብሙሉእ ስለ ዘይከደ ግን ሓደ ኽልተ ተሰዊኦምና። ብጠቕላልኡ ግን ምሳና ዘተጋደሉ ኣለው፣ ንዓዶም ዝተመለሱ ኣለው፣ … ሰለስተ መማረፂ ህብናዮም፤ እንተደሊኹም እታ ውድብኩም እቲ ዝነበረኩም ጌጋ ኣሪምኩም ክትቅፅሉ ሓቢርና ክንቃለስ ንኽእል ኢና፣ እንተደሊኹም ዓድኹም ክትከዱ ትኽእሊ ኢኹም፣ እንተደሊኹም ከዓ ብውልቀኹም ናብ ህወሓት ኣቲኹም ተጋደልቲ ኮይንኩም ክትቃለሱ ትኽእሉ ኢኹም ኢልናዮም። በዚ እዩ ተወዲኡ እቲ ነገር ንምባል እዩ። እሞ ካብኡ ንላዕሊ ከዓ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣይነበረን። ስቕ ኢልካ ሐዚ ኣቃቂር ይወፆ እንድዩ እቲ ነገር ግን ኣነ እንተዝኸውን ኣብታ እዋን ካብኣ ንላዕሊ እንታይ ክገብር ነይረ ኢልካ ምሕታት የድሊ ንባዕልኻ፤ ክሓትት ይግበኦ ኩሉ ሰብ ብሓቂ ክርድኦ እንተኾይኑ እቲ ነገር።

ካሊእ እቲ ምስ ኢህኣፓ ዝነበረና …. ብዙሕ ፃዕሪ ገይርና ኢና። ደደቢት ቅድሚ ምልቃቕና… ሽዑ ኣብ ህዝባዊ ግንባር እዮም ዝዕለሙ ነይሮም፤ ኣብኡ ዝነበሩ ናትና ሰባት ክራኸብዎም ተወሲኑ ርክብ ገይሮም። ግን ኢህኣፓ ንባዕሎም ኣዕርዮም ሰማይ ዝሰቐሉ እዮም ነይሮም። ንሕና ፓርቲ ኢና ስለዚ ምስ ግንባር ኣይንዘራረብን ምስ መዘራረብትኹም ተዘራረቡ ታይዶስ ከመይዶስ … ከምኡ ዝበሉ ናይ ትዕቢት ክስታያት ነይርዎም። ግን እዙይ ከይበልና ንሕና እቲ ርክብ ቀፂልና። ደሓር ንሶም ‘ውን ዕጥቂ ሒዞም ትግራይ ኣትዮም፤ ትግራይ ምስ ኣተው ‘ውን ምዝርራብ ጀሚርና ኮሚቴታት ‘ውን ፈጢርና። ብዙሕ ናይ ምቅርራብ ፃዕሪ ተገይሩ። መወዳእትኡ ግን ትምክሕቲ ስለ ዝነበሮም ንዓና ካብቲ ከባቢ ንምርሓቕ ንምውጋድ ኩናት ከፊቶም። ኣብ ሓደ መዋፈሪና ንእሽተይ መዋፈሪና ዝነበሩ ተጋደለቲ ቀቲሎም፣ ኣባሪሮም፤ ንቶም ምልሻና ‘ውን ካብ ከባቢ ናይ ዓጋመ ክወፁ ኣገዲዶሞም፣ ኣባሪሮሞም። ድሕሪኡ አቲ ውግእ ተጀሚሩ። ስለዚ ንምርድዳእ ብዙሕ ፈተነ እዩ ተገይሩ። እዙ ቅርብ ኢልካ ኢልካ ንቲ ታሪክ ምርኣይ ዘድልዮ ነገር እዩ። ስቕ ኢልካ ብማዕዶ ኣጥፊኦሞም እዩ ዝበሃል፤ ኣጥፊኦሞም እዩ ዝበሃል እምበር መን እዩ መንስኤ ናይቲ ጎንፂ፣ መን እዩ ተንኳሲ፣ መን እዩ ጀማሪ.. አዙይ ከይተፃረየ ስቕ ኢልካ ንሕና ስለ ዝሰዓርና ኣባሪሮሞም ኣጥፊኦሞም ይበሃል። እዙይ ኢልካ ዝዝረብ ዘረባ ግን ንቲ ዝነበረ ሓቂ ብትኽክል ዝገልፆ ኣይክኸውንን።

ውራይና፦ ኣብ ሓደ መፅሓፍ.. ኣባል ኢህኣፓ ዝነበረ ዝፀሓፎ  እቲ ውግእ ናይ መጀመርታ ክጅመር ከሎ መሪሕነት ህወሓት ደብዳበ ፅሒፎም ጠጠው ይበል ምዝርራብና ንቐፅል ዝብል ከምዝነበረ እውን ተገሊፁ ኣሎ፤ እዙይ ‘ውን ኣካል እቲ ትዕግስቲ ናይ ህወሓት ተገይሩ ክጥቀስ ዝግብኦ እዩ ኢለ እየ…

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  እወ ሓቅኻ ኢኻ ብዙሕ ትዕግስቲ ነይሩ እዩ ብወገን ህወሓት። ፃዕሪ ‘ውን ተገይሩ እዩ። ቀፃሊ ዝኾነ ዝርርባት ‘ውን ተኻይዱ እዩ። ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዝኾኑ ዘቀራርቡ ኮሚቴታት ተጣይሾም ብዙሕ ዝርርብ ተኻይዱ እዩ። እዙይ ናትና ፃዕሪ እዩ ነይሩ። ብወገኖም ክንድኡ ዝፀዓሩ ኣይመስለንን ኣይፀዓሩን ኢለ እየ ዝኣምን። እዙይ ኮይኑ ግን …. ብርግፅ አቲ ውግእ ዝጅመረሉ መዓልቲ ናትናን ናቶምን ኮሚቴ ኣብ ኣኸይባ ነይሮም ኣብ ሶብያ ከባቢ። ስለዚ ገና ዝርርብ እነሃለወ እዮም ኩናት ዝጅምሩ ዘለዉ። ስለዚ ብወገኖም ዝነበረ ካብ ናይ ልዕልነት ኣረኣእያ ዝምንጩ ናይ ዘየረዳድእ መንፈስ እዩ ተጠያቒ ክኾኑ ዝገብሮም።

ውራይና፦  ናብ ናይ ኤርትራ ውድባት እንትንከድ፤ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ህወሓት ወቒዓታ እያ፤ እዙይ ድማ ህዝባዊ ግንባር ንምሕጋዝ እያ ገይራቶ ዝብል ይለዓል እዩ። እሞ ብናይ ባዕላ መበገሲ ንህወሓት ትብድላ ስለ ዝነበረት ድዩ ወይስ ህዝባዊ ግንባር ንምሕጋዝ እዩ ህወሓት ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ወቒዓታ ትብል?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  እዚ ንህዝባዊ ግንባር ንምሕጋዝ እዩ ዝበሃል ዒባራ ምኽንያት እዩ። እቲ ዋና ምኽንያት ህወሓት ኣብ ባዕላ ዝበፅሓ ዝነበረ ሽግራት ንቡዙሕ እዋናት ፀይራ ፀኒሓ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ዝኾነሉ ደረጃ ምስ በፅሐ ዝወሰደቶ ስጉምቲ እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባላቶም ናብ ትግራይ እናሰገሩ ኣብ መዋፈርታትና ከይተረፈ መጥቃዕቲ ይፍፅሙ ነይሮም። ኣባላትና ጨውዮም ይወስዱ ነይሮም። ኣብ ህዝብና ‘ውን ከምኡ ዓይነት በደላት የብፅሑ ስጉምቲታት ይወስዱ ነይሮም። ብዙሕ ዓመት ፀይርናዮም፣ ኣጠንቂቕናዮም፣ ግደፉ ኢልናዮም፣ ብመሪሕነት ኣዘራሪብናዮም፣ ከይድና ብኣካል ኣነ ዘለኹሉ ‘ውን ኣዘራሪብናዮም። ግን ቀፂሉ፤ ብጉልበቶም ተኣማሚኖም ቀፂሎምሉ። ንሕና ጉልቦት ኣይነበረናን ሽዑ ልመና ጥራሕ አዩ ነይሩ ጉልበትና፤ ደሓር ጉልበት ምስ ረኸብና ግን ክሳብ ሐዚ ፀይርናኩም ኢና ካብ ሐዚ ግን ከምኡ ኣይትገብሩን ኢልናዮም። ዘይእርነቡ ምስ ኮኑ ድማ ወቒዕናዮም፣ ኣባሪርናዮም ካብ ከባቢና። እዙይ ካብ ናይ ባዕልና ዝተበገሰ እምበር ማንም ንምሕጋዝ ኣይኮነን።

ውራይና፦ እቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ምትሕግጋዝ ከ ከመይ ትገልፆ? መቸም ኣብቲ ምትሕግጋዝኩምን ርክብኩምን ብዙሕ ከም ዝበሃል ትሰምዖ ነገር እዩ ዝብል እመነት ኣለኒ እሞ እቲ ዝነበረ ትኽክለኛ ነገር ካባኻ ክንሰምዕ ኢለ እየ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ብርግፅ ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ መጀመርታ ግዜ ዝተወሰነ ሓገዝ ገይሮምልና እዮም። እዙይ ዘይከሓድ እዩ። መጀመርታ እውን ርክብ ክንጅምር ከለና ምስኦምን ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዋላ ተጀመርናዮ፤ ንሶም ቀልጢፎም እዮም ተቐቢሎምና። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ግን ን ግግሓት ይሕግዙ ስለ ዝነበሩ ንዓና ብዙሕ ኣይተቐበሉናን። ስለዚ ህዝባዊ ግንባር ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ተቐቢሎምና፤ ናይ መጀመርታ ተዓለምቲ ‘ውን ኣብኡ ተዓሊሞም፤ ዕጥቂ ክህብዎም እዮም ኢልና ተስፋ ገይርና ነይርና ዝረብሕ ዕጥቂ ኣይሃብዎምን ተናዲዶም እዮም ዝተመለሱ። ግን ብድሕሪኡ ‘ውን ንሕና ተስፋ ኣይቆረፅናን ገና እግሪ ንተክል ስለ ዝነበርና ክሕግዙና እዮም ዝብል ተስፋ ሒዝና ርክብና ንክቕፅል ብዙሕ ፃዕሪ ገይርና ኢና። ብዙሕ ግዜ ተመላሊስናዮም ኢና፤ ከምቲ ዝደለናዮ ሓገዝ ግን ኣይሃቡናን። እሞ ንሕና ልቢ ኣግፊሕና ምስ ደርጊ እንድሕር ክንዋጋእ ኮይና ናይ ግድን ዝባና ሓዊ ክኸውን የብሉን፤ ዝባና ዘተኣማምን ወገን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ስትራተጂ ኣብ ግምት ኣእቲና ምስኦም ፅቡቕ ዝምድና ንኽህሉ ዘይገበርናዮ ፃዕሪ የለን። ብዙሕ ፅዒርና ኢና፤ ግን እቲ ፃዕርና ልቢ ኣግፊሖም ኣይረኣይዎን። ማለት ናይ ሓበራዊ ረብሓ እዩ፣ ናይ ሓባር ፀላኢ እነጥፈአሉ እዩ ኢሎም ልቢ ኣግፊሖም ስለ ዘይረኣይዎ፣ ትሕትነት ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ በቢእዋኑ ልዕልነቶም ከርእዩ ይፍትኑ ነይሮም። ይኹን እምበር በቢመድረኹ እናተራኸብና ነርድኦም ነይርና፣ ነርድኦም ነይርና፣ ንቃወሞም ‘ውን ነይርና። እዙይ ትገብሩ ኣለኹም ጠጠው ኣብልዎ፤ እዙይ እዙይ ኢልናኩም ኣይገበርኩምን ስለዚ ትጋገዩ ኣለኹም ተጠንቀቑ ንብሎም ነይርና ብግልፂ። ከምዙይ እናበለ እዩ እቲ ርክብ ቀፂሉ፤ ክሳዕ ደሓር ‘ውን ብዚ መንገዲ እዩ ከይዱ።

ሓደ ሓደ ሰባት ከምዚ ህወሓት ብሻዕብያ ተፈጠረት ገይሮም ዝዛረቡ ኣለው፤ እዚኦም ግደፎም ናብ ቁፅሪ ዝኣቱ ዘረባ የብሎምን ዕሉላት ግጉያት እዮም። ካብኡ ሓሊፉ ኸዓ ሳላ ሻዕብያ ኣብዚ በፂሓ ህወሓት ዝብሉ ኣለው፤ እዚኦም እውን ግጉያት እዮም። ገሊኦም ከዓ ከምዚ ተኣዘዝቲ ናይ ሻዕብያ ገይሮም ዝቖፅሩ ኣለዉ፤ ከምኡ ዘብሎም ምኽንያታት ሓደ ሓደ ዝተወሰዱ መርገፅታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤ ግን እዚኣቶም እውን ግጉያት እዮም። ሻዕብያ ሐዚ ‘ውን ይስምዑ ንነግሮም ኣለና (ምናልባት ዝብሉ ተልዮም) ንህወሓት ኣይፈጠርዋን፤ ንህወሓት ኣይተቖፃፀርዋን ክቆፃፀርዋ እውን ኣይኽእሉን፤ ድላዮም ክገብሩ ‘ውን ፈፂሞም ኣይኽእሉን ነይሮም። ሓደ ሓደ ፀይቅታት ዶ ገይሮም ኣብ ትግራይ ኣትዮም? እወ ገይሮም፤ ኣናእሽተይ ፀይቅታት ከኾኑ ከለው ንፃወሮም ነይርና። ንምንታይ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝበልክዎ ድሕሪትና ሓዊ ከይኸውን። ግንባርና ናብ ደርጊ እንትኸውን ብዝባና እውን ካሊእ ፀላኢ ንዘይምቅማጥ ኢልና ንፃወሮም ኣናእሽተይ ነገራት ነይሮም። ክብድ ዝበለ ነገር ክገብሩ ግን ኣይነሕልፎምን ነይርና።

ውራይና፦ ብኻሊእ ወገን ድማ ደርግስ ንህዝባዊ ግንባር ፀሪግዎም ነይሩ እዩ፤ ህወሓት እያ ኣድሒናቶም ንኣብነት ብዘመቻ ቀይሕ ከኾብ ዝብል ኣሎ። ገለ ተጋደልቲ ናይ ህወሓት ‘ውን ብግልፂ ንሕና ኢና ኣድሒናዮም ኢሎም ይገልፁ አዮም። ንዙይ ከ ከመይ ኢኻ ትገልፆ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ብሓቂ ብዘይ ምግናን ናይ ህወሓት ተጋዳላይ ኣብ ኤርትራ ከይዱ ዝሰርሖ ጅግንነት ዓብዪ እዩ። ኣድሒንዎም እዩ። ደርጊ ክጠሓሕሶም ካብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣድሕኒዎም እዩ ተጋዳላይ ህወሓት፤ እዙይ ክኽሕድዎ ኣይክእሉን። ብርግፅ ክሸፋፍንዎ ይፍትኑ እዮም። ገለ ሻዕ እውን ከም ዘይነበርና ገይሮም ከቅርብዎ ይፅዕሩ እዮም። ኣብ ቅድሜና ግን ከምኣ ኢሎም ክዛረቡ ኣይኽእሉን። ብጭቡጥ ሰለስተ ብርጌዳት ከይደን ዓብዪ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣካይደን ብዙሕ መስዋእቲ ‘ውን ተኸፊሉ ክድሕኑ ክኢሎም እዮም። አዙይ ብምንም ዘይሽፈን ግሁድ ሓቂ እዩ። ንሶም ግን ዝፈልጥዎ አኳ እንተኾኑ ብግልፂ ግን ኣየቕምጥዎን፣ ኣይገልፅዎን። ብኣና ገፅ ሓደ ሓደ ዘጋንንዎ ኣለዉ፣ ንኣብነት ሰለስተ ሽሕ ተጋዳላይ እንተተላኢኹ ሰላሳ ሽሕ ተጋዳላይ ተላኢኹ እናበሉ ዘጋነኑ ሰባት ኣለው እዮም። እዙይ ናይ ቁፅሪ ዘይምፍላጥ ‘ውን ዘምፅኦ ሽግር ክኸውን ይኽእል።

ዝኾነ ኾይኑ ናይ ህወሓት ተቓላሳይ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ዝፈፀሞ ጅግንነት ንሻዕብያ ዋላ ንህወሓት ከም መቐይሮ ነጥቢ ገይርካ ክርአ ዝኽእል እዩ። ካብ ጥፍኣት ኣይድሒንዎም እዩ። እዙይ ብግልፂ ክዝረብ ዘለዎ ነገር እዩ፤ ንሶም እውን ብደንቢ ዝፈልጥዎ ነገር እዩ። ስለዚ እንታይ እዩ ኣጣቐላሊ ርክባት፤ ኣብቲ መጀመርታ እዋናት ንሶም ንምሕጋዝ ኣንፈት ኣርእዮም እኳ እንተነበሩ ደሓር ግን እናተሓጋገዝና ኢና መፂእና። ብመሰረቱ ‘ውን ኣግፊሕኻ እንተሪእኻዮ ናይ ህወሓት ምፍጣር ምህላው ንዕኦም ዝሕግዝ እዩ። ምኽንያቱ ንቲ ንሶም ዝዋግእዎ ፀላኢ ክወግእ ዝተላዐለ ሓይሊ ስለ ዝኾነ እቲ መትሕግጋዝ ባህርያዊ እዩ።

ውራይና፦ ንሶም ግን ንቲ ሚዛን ናይ ምትሕግጋዝ ክገልፅዎ ከለው ካብ ምፍጣራ ጀሚርና ክሳብ ኣዲስ ኣበባ መሪሕና ኣእቲናያ ብዝብል እዮም ዘገልፅዎ። ንዙይ ብናትካ ርድኢት ከመይ ትገልፆ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እዙይ ጃህራ በጠጥ ኢና ንብሎ። ስቕ ኢልካ ምግናን … እንታይ ንፈልጦም እንዲና፤ ይፈልጡና እዮም፤ ኣብ ቅድሜና ከምኡ ኢሎም ክዛረቡ ኣይኽእሉን። ንፕሮፖጋንዳ ንህዝቦም ንምልዕዓል ወይ ከዓ ሓጊዞምኹም እንድዮም ሳለኦም እንድዩ ደርጊ ወዲቑ ኢሎም ንዘነኣእስዎም ተቓወምቶም መልሲ ክኾኖም ዘቕርብዎ ደኣ እምበር ፈፂሙ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኮነን።

ውራይና፦ ምስ ኤርትራ ዘሎ ደሓር ክምለሶ እየ። ….ተሓህት/ህወሓት ኩናት ክተካይድ ከላ ከምቲ ቅድም ኢልካ ዝበልካዮ መራሕቲ ክሳብ ኣቦወንበር ኣብቲ ውግእ ይሳተፍ ነይሩ እዩ። እዙይ ኣግባብ ኣይነበረን እቶም ስትራተጅያዊ መራሕቲ ክዕቀቡ እዩ ዝግባእ ነይሩ ዝብል ኣሎ፤ እዙይ ሽዑ ትርኢዎ ዶ ነይርኩም?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ከምኡ ዝብል ኣይለዓልን ነይሩ። ሓደ መራሒ ክዕቀብ ኣለዎ ሓደ ተጋዳላይ ክስዋእ ኣለዎ ታይዶ ዝበሃል ኣይነበረን። ኩሉ ብማዕርነት ዝጋደለሉ፣ ኩሉ ብማዕርነት ዝስወአሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። እዚ ኣርኣእያ ትኽክል ኣይመስለንን፤ መን ተሰዊኡ እዩ መን ህይወቱ ክተርፍ ክግበር? መን እዩ ኣብ ክንዲቲ ዝስዋእ ክነብር ትኽክል ኣረኣእያ ገይረ ‘ውን ኣይሪኦን። ኩሉ እንድሕር ተማሂሩ፣ ኩሉ እንድሕር ዕድል ረኺቡ መራሒ ዘይኾነሉ ምኽንያት የለን፤ ስለዚ ብሓባር ትቃለስ ከም ዕድል ዝስዋእ ይስዋእ ዝተርፍ ክዓ ይቃለሰ። መራሒ ከዓ ብሓባር ኣብቲ ቃልሲ እዩ እንዳበቕዐ እናተከአ ዝኸድ እምብር ከምዞም ኣሕዋትና ስቕ ኢልካ ንልዕሊ ዕሰራ ሰላሳ ዓመት ኣይትስእን ኢልካ ኮፍ ምባል ብስሩ እውን ግቡእ ኣይኮነን። መሪሕነት ርስቲ ኣይኮነን። ከምኡ ዓይነት ኣካይዳ ፀረ ምዕባለ አዩ። ንመራሕቲ ብፍሉይ ምዕቃብ ዝበሃል ፀረ ዝንተ ሞጎታዊ እዩ እዩ።

ውራይና፦ ኣቦመንበር ኮይንካ ኣብ ከብድቲ ውግኣት ትሳተፍ ከም ዝነበርካ ዝፍለጥ እዩ። ክንዲ እቲ ኣብ ውግእ እትሳተፎ ግን ጥይት ኣይወቕዐካን እዩ ዝበሃል። ንምዃኑ ጥይት ተወቒዕኻ ዶ ትፈልጥ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ዋእ! ሽንጣፍ ወዲ ሽንጣፍ ኣይጠፍእን፤ ብዙሕ ኣካለይ ዘጉድል ወይ ኣብ መስዋእቲ ዘብፅሕ እዩ ዘይገጠመኒ እምበር። እዙይ ከዓ ናይ ኣጋጣሚ ናይ ዕድል ጉዳይ እዩ ዝመስለኒ። ኣብ ውግእ ዝኣተወ ኩሉ ይስዋእ ማለት ‘ውን አኮ ኣይኮነን። ንሃተይ ኣብ ብዙሕ ውግኣት ከምኡ ምዃን ምኽንያቱ እዙይ እዩ ክብሎ ኣይክእልን ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብጎነይ ዝነበሩ፤ ብፀጋመይ ይኹን ብየማን ዋላ ብድሕረይ ዝነበሩ ‘ውን እንትስውኡ ሪአ እየ ግን ያው ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ እዩ ክበሃል ዝኽእል ዝመስለኒ።

ውራይና፦ ፍልይ ዝበለ እዩ ናይ ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ እዩ ዝበሃል፤ ማለት ነዊሕ ኢኻ፣ ሬድዮ ሒዝካ ኢኻ ተዋግእ፤ ደው ኢልካ ኢኻ ተዋግእ እዩ ዝበሃል፤ ከምዙይ ኮይኑ ግን ከመይ ጥይት ከም ዘይወቕዑ ዘገርም እዩ ብዝብል እዩ ናትካ ብፍልዩነቱ ዝለዓል፤ ብኣጋጣምነቱ ከም ናይ ካልኦት ዘይኮነስ ብፍልዩነቱ እዩ ዝለዓል ብዝብል አየ ንስኻ ከመይ ከምትገልፆ ዘልዐልክዎ። ኣብቲ ዘለኻሉ ዋላ ከበድቲ ደብዳባት ተተኻየዶም ንስኻ ትወፅእ ኢኻ እሞ ንምንታይ ከምኡ ከም ዝኾንስ ይገርመና ኢሎም ብዙሓት ተጋደልቲ ስለ ዘልዕልዎ እዩ ከም ሕቶ ዘልዕሎ ዘለኹ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ቅሩብ መቸም ምግናን እኒሀዎ እዩ። መቸም ናህና ነገር ምግናን ኣሎ እዩ። ኣነ ኩሉ ግዜ ‘ውን ደው ኢለ ኣይዋጋእን፤ ምናልባት ኣብ ዘድሊ እዋን ከም መጠን መራሒ ኩነታት ንምርኣይ ማለት ዝበላሾ ነገር ከይህሉ ምእንታን ደው ኢለ ክርኢ ስለዘለኒ  ደው ክብል ይኽእል አየ፤ እዙይ እንዳረኣዩ ደው ኢሉ እዩ ዝዋጋእ ምባል ጌጋ እዩ። ስለዚ ክጋነን የብሉን። ኣነ  ከም ማንም ብፃይ  ማዕረ እየ ዝዋጋእ ነይረ፤ ማዕረ እየ ዝቃለስ ነይረ፤ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ምውጋእ ክእለት ወይ ጥበብ ነይሩኒ ኣይኮነን።

ውራይና፦ ብፍላይ ኣቦወንበር ኣብ ዝነበረካሉ ይኹን ኣብ ካሊእ እዋን ኣረጋዊ በርሀ ከም መራሒ ግኑን ነይሩ። ብፍላይ ደርጊ ድማ ኣዕርዩ የጋውሖ ነይሩ። ካብዙይ ብዝብገስ ብውልቀ ዝበፅሐካ ዝነበረ ክትትል ወይ ፈተነ ትዝክሮ ነገር እንታይ ኣሎ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ኣይይይ…. ደርጊ እኳ ምንም … ዝብለካ ዝገበሮ ክትትል ክህሉ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ናይ ተፃራሪኡ ምንቅስቓስ ክከታትል፣ ከክሽፍ፣ ክቆፃፀር ምፍታን ንቡር እዩ። እዙይ ዘሎ ነገር እዩ፤ ንሕና ከምኡ ንገብር ነይርና ኢና። ስለዚ እዙይ እንተሃለወ ኣነ ኣየግረመኒን፤ ኩሉ ኸዓ ክፈለጦ ኣይክእልን። ማለት ብምሽጥር ዝግበር ነገር ክነብር ስለ ዝኽእል ኩሉ ክፍለጦ ኣይክእልን እየ ናይ ግድን። ደርጊ ዘውረዮ ዝነበረ፤ ብደርፊ እናገበረ ሽም እናፀወዐ ናይ ተቓለስቲ ሽም ማለት እዩ ተፀራሪ ዘመተተታት ይገበር ስለ ዝነበረ ብኡ ምኽንያት ነሃተይ ሽም ‘ውን ተደጋጊሙ ይልዓል ነይረ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን አዙይ ዝበሃል ነገር ነይሩኒ ኣይብልን።

ውራይና፦ ኣብ ደርጊ ዝነበሩ ላዕለዎት መኮነናት ህወሓት ሰሪዓቶም ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ገለገለ መረዳእታት ኣሎ፤ ድሕሪ ዓወት ዝተሰምዐ ማለተይ እየ፤ እሞ ትዝክሮ ኣለካ ዶ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ግርም! ብዙሕ ፃዕርታት ይግበር ነይሩ እንድዩ ንደርጊ ንምፍራስ። ኣብ ውሽጢ እንኣተኻ ሰብ ምስራዕ፣ ኣብ ውሽጢ እንደኣተኻ ፕሮፖጋንዳ ምክያድ፣ ኣብ ውሽጢ እንደኣተኻ ፀረ ህዝቢ ኣብ ዝኾኑ መጥቃዕቲታት ምፍፃም፣ ወዘተ ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲታት ነይሮም አዮም። እቶም ተሰሪዖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዝርዝር ክፈልጦም ኣይክእልን፤ ምኽንያቱ ዝምልከቶ ኣካል ስለ ዝሰርሖ ናይ ግድን ዝፍለጥ ኣይኮነን። እቲ ስርሑ እቲ ዝስራሕ ኢና ንፈልጥ እምበር መን ሰሪሕዎ፣ መን ኣትዩ፣ መን ወፂኡ ዝፈልጦ ኣይኮንኩን፤ እቲ ሓፈሻዊ ፀብፃብ ይቐርብ እዩ ግን እገለ እገለ ዝብል ኣይግበሮን።

ውራይና፦ ኣብ 75 ካልኣይ ጉባኤ ካብ ዝካየድ ክሳብ አቲ ናይ 77 ኣብ ዘሎ፤ ናይ ደውታ ግዜ ነይሩ፤ ናይ ደውታ ገዜ ስለ ዝነበረ ድማ ምንቅስቓስ ንግበር ተባሂሉ ዝተኸደሉ ነይሩ ዝብሉ ኣገላፅታት ኣለው እሞ ንምዃኑ ከም ናይ ደውታ ኢልካ ዶ ይቑፀር ብናትካ ኣረኣእያ ከመይ እዩ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  እህህህ… እንታይ ይመስለካ ደውታ ዝበሃል ነገር ተነፃፃሪ እዩ፤ እምበር ደውታ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን።  ብርግፅ እቶም ማለሊት ዝፈጠሩ ማለሊት ንምፍጣር ሓደ ምኽንያት ዝገበርዎ ደውታ ስለ ዘሎ እዩ ዝብል አዩ። ሐዚ ’ውን ሓደ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሽዑ ናይ ማለሊት ምስረታ ንጥፋት ዝነበሩ ደውታ ነይሩ እዩ ኢሎም ክካትዑ ይሰምዕ እየ። ከምኡ ኢሎም ዝፅሕፉ ‘ውን ኣለው። ግን ዘይርድኦም ነገር እኒሀ ይመስለኒ። ሓደ ደውታ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። አቲ ቃልሲና ክንጅምሮ እንተለና ዝተናውሐ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ (Protracted armed struggle) ኢልና ኢና ጀሚርናዮ።   Protracted armed struggle ማለት እቲ ፀላኢ ሓያል ስለ ዘኾነ ማለት ብዕጥቅን ብሰራዊትን ካባኻ ዝሓየለ ስለ ዝኾነ ቀስ ብቐስ ንህዝቢ እናወደብካ ናብ ውሽጡ እናሰረፅካ እናዳኸምካ ኢኻ ክትከይድ ዘለካ ማለት እዩ። እሞ ኣብ ሓደ ደረጃ ምስ በፃሕኻ ሚዛኑ ተመጣጣኒ መስ ኮነ ሽዑ ኸዓ ወሳናይ ዝኾነ ስጉምቲታት ክትወስድ ትኽእል። እዙ ስትራተጂ እዙይ እዩ ነይሩና ካብ መጀመርትኡ። ስለዚ በዚ ስትራተጂ እዙይ ደው ዝበልናሉ ምኽንያት ኣይነበረን። ኣብ ዘይእዋኑ እንተገይርካዮ ሓደ ነገር ክትጥቃዕ ኢኻ፤ እዋኑ እንተሕሊፍካዮ እውን ከምኡ። እዙይ ከዓ ንምርኣይ ዝሰኣኖ መራሒ ኣይነበረን።

ግን ማለሊት ክንፈጥር ኢና ኢሎም፤ ማለሊት ዝፈጠርሉ ምኽንያት ከዓ ናይ ባዕልቶም ናይ ስልጣን ድሌትን ምቁፅፃርን ኣብ ግብሪ ንኸውዕሉ ዝገበርዎ ስራሕቲ ነይሩ። ስለዚ ደውታ ነይሩ ዝብል ተላዒሉ እዩ፣ ኢሎም እዮም፤ ሐዚ ‘ውን ዝብሉ ኣለው። ግን ደውታ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን ደው ‘ውን ኣይበልናን። ማለሊት ምስተፈጠረት ‘ውን ዝተፈጠረ ነገር የለን። ኣየናይ እዩ ተለዊጡ? እቲ ኣካይዳ ድዩ ተለዊጡ? ታይ ተለወጠ ነገር ኣሎ? እቲ መጥቃዕቲ እንተኾይኑ እቲ ደሓር ተገበረ መጥቃዕቲ ‘ውን ቅድሚ ማለሊት ምፍጣራ ‘ውን ክፍፀም ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ግን ማለሊት ክንፈጥር ኢና ኢሎም ከፋፊሎሞ ንቲ ተጋዳላይ። ንገሊኡ ንቑሕ ተጋዳላይ ማለት ዝጎዪ ኢሎሞ፣ ንገሊኡ ዘዝግም፣ ንገሊኡ ዝተሸኸለ ኢሎም መዲበምዎ። ከምዚ ኢሎም ኣብ ሰለስተ ስለ ዘኸፈልዎ ዛሕቲሉ ነይሩ እዩ እቲ ምንቅስቓስ። ምኽንያቱ እቶም ቀንዲ ቀንዲ ወታደራዊ መራሕቲ ክዝሕትሉ ተገዲዶም፤ እዙይ ኮላይ ንኒ ሓየሎም ፅልዋ ኣሕዲርሎም ነይሩ እዩ። ግን ጠንካራታት ስለ ዝኾኑ ወፂኦሞ እምበሪ። ንገሊኦም ከዓ ስዲ ለቒቕዎም። ከም ዝጎዩ ናይ ማለሊት ጎየይቲ ተባሂሎም ስለ ዝተቖፀሩ። እሞ ጎየይቲ፣ መዝገምቲ፣ ተሸከልቲ ኢሎም ኣብ ሰለስተ ምስ ከፈልዎ ምድኻም ተፈጢሩ እዩ። እመበር ቅድሚ ማለሊት ምፍጣራ ‘ውን ንማእኸል ኢትዮጵያ ይእቶ ነይሩ እዩ፤ ንእቶ ኢልካ ‘ውን ደፊኢኻ ወሲንካ ምተኣተወ ነይሩ እዩ። ብርግፅ ፖለቲካዊ ትርጉማት ነይርዎ አዩ እዙይ ምስቶም ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ‘ውን ዝሓትት ነገር እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ንትግራይ እየ ዝቃለስ እናበልካ ፀኒሕኻ ብድንገት ናብ ማእኸል ዘሊቅካ እንተኣቲኻ ሽግር ስለ ዝኾነ ማለት ዘይወደብካዮ ዘይፈልጠካ ህዝቢ ማእከል ክትኣቱ ቀሊል ስለ ዘይነ ምሰቲ ዝተናወሐ ቃልሲ እውን ሓቢሩ ዘይኸይድ ስለ ዝኾነ ፀገም ምፈጠረ ነይሩ፤ ግን እቲ ዝነበርናሉ ደረጃ ምስቶም ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ‘ውን .. ዋላ ‘ውን ጥንክር ምስ ዝበለ ኣቋም ምስ ዝነበሮም ‘ውን ተሓባቢርካ ኣቲኻ ንደርጊ ምፍራስ ዝከኣለሉ ኩነታት ነይሩ እዩ። ደርጊ ተዳኺሙ ነይሩ እዩ፤ ኣዕርዩ ተዳኺሙ ነይሩ እዩ። ንገጠር ትግራይ ምንም ኣይቆፃፀርን ነይሩ ክቆፃፀር ዝኽእለሉ ዓቅሚ ኣይነበሮን ኣብ ዝተወሰና ከተማታት እዩ ከፍ ኢሉ ነይሩ። ንዕአን ፀራሪካ ምኻድ ምተኸኣለ ነይሩ ቅድሚ ማለሊት ‘ውን ማለት እዩ። ይእቶ ‘ውን ነይሩ ናብ ማኸል ዓዲ።

ውራይና፦ ስለዚ ማለሊት ንቲ ቃልሲ ኣደናጉያቶ እምበር ኣየቀላጠፈቶን ዲ ኻ ትብል ዘለኻ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦   እወ ክደናጎ ገይራቶ። ብፍላይ ወታደራዊ መራሕቲ ክከፋፈሉ፣ ክዝሕትሉ፣ ክደናገሩ ብምግባር፤ ንገሊኦም ብምቕራብ ንገሊኦም ብምርሓቕ ኣደናጉያቶ እያ እየ ዝብል።

ውራይና፦ ኣብቲ ናይ ማለሊት ማአከላይ ኮሚቴ መረፃ ብዝለዓለ ድምፂ ተመሪፅካ ነይርካ ግን ደሓር ወሪድካ ተራ ኣባል ኮይንካ ተባሂሉ፤ ንሱ ከመይ እዩ ነይሩ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ንሱ መስሓቒ እዩ ነይሩ። እቲ ጉባኤ ብዝለዓለ ድምፂ እዩ መሪፁና። ምኽንያቱ እቲ ጉባኤ ናይ ህወሓትን ማሌሊትን ጣምራ ጉባኤ እዩ ተባሂሉ ነይሩ እዮም ኢሎሞ ነይሮም፤ ኣብ ክልቲኡ ብዝለዓለ ድምፂ እዩ እቲ ጉባኤተኛ መሪ’ኒ። ብርግፅ እቲ ዝረኽብክዎ ድምፂ ስቕ ኢለ ንመጀሃሪ ኢለ ዘይኮነ ካብቶም ናይ ማለሊት መስረቲ ንላዕሊ እዩ ነይሩ ብሓፂሩ። ድሕሪኡ እቲ ጉባኤ ምስተወደአ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይቲ ዝተመረፀ ንሕና ‘ውን ዘለናሉ ማለት እዩ ኣኼባ ፀዊዖም ን ኣረጋዊን ንግደይን ጌጋታት ስለ ዝሰርሑ ክወርዱ ኣለዎም ኢሎም ኣብ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ወሲኖም። እንድሕር ሽግር ነይሩና ንምንታይ ኣብቲ ጉባኤ ዘየቕረብክምዎ ኢልናዮም፤ ኣይ ሽግር ከይፍጠር ኢልና ኢሎምና። እሞ እዙይ ጌጋ እዩ ኢልናዮም። ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ጉባኤተኛ ተመሊሶም ኣዕርዩ ኣይተበተነን ነይሩ እቲ ጉባኤተኛ ተኣከቡ ኢሎሞም፤ ኣኪቦም ኣብ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ን ኣረጋዊን ንግደይን ኣዊሪድናዮም ኣለና ኢሎም ኣዊጆም። ኣዋጃይ ስዩም እዩ፤ ድሕሪኡ ሕቶ ክነልዕ እንተበልና ኣብቲ መድረኽ ዕድል ከሊኡና፤ ኣይትዛረቡን ኢኹም መግለፂ ጥራሕ ኢና ክነቕርብ ንኽእል ኢሉ ከልኪሉና ስዩም። ስለዚ ብኸምዚ ዓይነት እቲ ጉባኤ ተኻይዱ።

ንሕና ‘ውን ዝብለካ … ካብቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ምውራድና ኣይግድሸናን። ክንቃለስ ኢና ዝመፃእና እምበር ማእከላይ ኮሚቴ ክንከውን ኢልና በረኻ ኣይወፃእናን። እቲ ኣገባቡ ግን ጌጋ እዩ ኣይነኣምነሉን ኢልና for the record ኣመዘጊብና ናብ ስራሕና ተዋፊርና። ተመዲብና ኣብ ዝመደቡና ኣቲና ንቃለስ ነይርና።

ውራይና፦ ተራ ተጋዳላይ ኮይንካ ተንቀሳቒስካ ነይርካ። ንሱ ከመይ ነይሩ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  እወ! ተራ ተጋዳላይ ኮይነ ተቓሊሰ እየ። ኣብ ድምፂ ወያነ ትግራይ መዲቦምኒ። ኣነ እኳ ናይ ጋዜጠኝነት ሞያ ኣይነበረኒን፤ ነገር ግን እታ ድምፂ ወያነ ሰብ ክትሕልወላ ኣብ እትኽእል ቦታ ሰፊራ ስለ ዝነበረት ንምሕላው ዝገበርዎ ስራሕ እዩ ነይሩ። ብዝኾነ ኣብኡ ኮይነ ክልተ ዓመት ዝኸውን ፅሑፍ፣ ብሄራዊ ፕሮፖጋንዳ ዝብል ፅሑፍ መዳለዋይ ገይሮምኒ፤ አዳሉ ነይረ፣ እፅሕፍ ነይረ፣ ፅቡቕ ከዓ ነይረ፣ ንባዕለይ ፅቡቕ ነይረ። ግን ንቲ ዝተሳእኹሉ ዕላማ ንቲ ነዊሕ ግዜ ዝተቐለስኩሉ ዕላማ፣ ንቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝቃለሰሉ ዝነበረ ዕላማ… ግን ከም ድላየይ ክዛረብ፣ ከም ድላየይ ንህዝቢ ከረድእ፣ ንሰብ ከረድእ ዝኽእለሉ ቦታ ኣይነበረን። ዕፁው ቦታ እዩ ነይሩ፣ መሐለዊ ቦታ እዩ ነይሩ። እሞ እዙይ ምሰ በዝሐ እሱር ኮይንካ ናይ ቁም እሱር ኮይንካ ካብ ምንባር ወፂኢኻ ምቅላስ ይሕሽ ዝብል ወሲነ ወፂአ።

ውራይና፦ ኣብቲ ሽዑ ለውጢ ዝግበረሉ ግዜ ንቶም ሽዑ ለውጢ ከምፅኡ ወይ ዝካትዑ ወይ ሓዱሽ ምዕባለ ክነምፅእ ኢና ኢሎም ዝንቀሳቐሱ ገሊኦም ፅዕንቶ ንፍጠረሎም፣ ዳርጋ ንዓፍኖም ዝብል ሓሳብ ነይርኩም ዝብል ብገሊኦም ይዝረብ እዩ፤ ንዙይ እንታይ ኢኻ ትብሎ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  እዙይ ረአይኻ …. ንዓና ናይ መውረዲ ምኽንያት ስለ ዘይነበሮም መዓት ምኽንያታት እዮም ፈጢሮም። ካብ ዝፈጠርዎ ሓደ እቲ ሐዚ ዘልዐልካዮ ጉዳይ እዩ። እቶም ኣብ ውድብ ምዕባለ ከምፅኡ፣ ንታ ውድብ ከዝልሉ (ዝላ እዮም ዝብሉ ነይሮም ሽዑ) … ዝቃለሱ ዝነበሩ ብፆት … ያው እኒ መለስ ማለት እዩ፤ መለስን ኣዕረኹቱን አኒ ተወልደ፣ ፃድቃን፣ ስየ፣ ኣለም ሰገድ ወዘተ እቶም ኣብቲ  ከባቢ ዝነበሩ ማለት እዩ፤ ኣብኣቶምሲ ስጉምቲ ክወስድ ሓሲቡ ነይሩ እዩ እዮም ዝበሉ። ሓሲቡ እዮም ዝብሉ ይረዳእካ። ንዚ መረዳእታ ከዓ ምስ ስብሓት እነፀሓሓፈሉ ዝነበርና፣ እተፀሓሓፍናላ ወረቐት  ሓንቲ ኖት ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥሩ ሰባት ነይሮም ብምርድዳእ ፈቲሕናዮ ኢና እትብል ደብዳበ ነይራ። እዚኣ ከም መረዳእታ ስብሓት ኣቕሪቡ ሕንፍሽፍሽ ትብል ቃል ተጠቒሙ እዩ፤ ስለዚ ስጉምቲ ክወስደሎም ሓሲቡ ነይሩ እዩ ብዝብል፤ ሕንፍሽፍሽ ዝብል ቃል ተጠቒሙ እዩ ክጥፈኦም ሓሲቡ እዩ ዝብል ከም ዓብዪ ክስታይ ወሲዶሞ። ኣንታ እዙይ ከምዙይ እዩ ዝብል ዘሎ እንተበልካ መን ክሰምዐካ፤ በቃ ኮይንዎም ወሲኖም ስለ ዝመፁ፤ ንዓና ንምውራድ ወሲኖም ዝመፁ ስለ ዝኮኑ “ፈሊጡ ዝደቀሰ እንተቐስቀስካዮ ነይሰምዕ” ከምዝበሃል ኣይሰምዑን።

ውራይና፦ እዚኣ እንታይ ኢና ክንብላ ንኽእል? እንታይ እዩ ተረዳዲእኻ ወይ ተኸኣኢልካ ንምኽያድ ዘይተኻእለሉ ምኽንያት?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ብግልፂ ንምዝራብ ስልጣን ህረፍ ስለ ዝነበሮም እዩ ዝመስለኒ ኣነ። ንሕና እንተሃሊና እቲ ዝሓዝዎ ስልጣን ዘይረኽቡ መሲሉ ስለ ዝተሰመዖም እዩ ዝመስለኒ።

ውራይና፦ ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ ህውሓት ካብ ምፍጣር ኣትሒዙ እግሪ ክሳብ እትተክልን እትዕወት ምዃና ክሳብ እተረጋግፅን መሪሕኻያ ኢኻ እሞ፤ ምስ ብዙሓት ሰባት ሰሪሕኻ ኢኻ ብዙሓት ሰባት ‘ውን ኣፊርኻ ኢኻ ምስ ብፆትካ ኮይንካ፤ ዘፍረኻዮም መራሕቲ ከመይ ኢኻ ትገልፆም? እንታይ ትብሎም?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ብሓቂ እዚ ሕቶ እዙይ ምልዓልካ ፅቡቕ እዩ። ኣብ ህወሓት ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ክዝክሮ ከለኹ ብሓቂ ትንፋሰይ እዩ ጠጠው ዝብል። መዓት መዓት ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ እዮም ተፈጢሮም በቲ ቓልሲ። እዞም ጀጋኑ እዚኦም ክሳዕ ሐዚ ‘ውን ኣለው ገሊኦም፤ ገሊኦም ድማ በቢመድረኹ መስዋእቲ ዝኸፈሉ እዮም። ኣካሎም ዝጎደሉ ‘ውን ኣለው፤ ከም ኣጋጣሚ ምስ ሙሉእ ኣካሎም ዝተረፉ ‘ውን እኒሀው። ብርግፅ ንዞም ኣካሎ ጎዶሎ ዝኮኑ ምክትታል ጀሚርና ነይርና ከምቲ ዝደለናዮ ድኣ ኣይኮነልናን እምበር። እሞ ጠቕላልኡ ኣብቲ ቓልሲ ዝተፈጠረ ጅግና ተቓላሳይ ብጣዕሚ ብዙሕ አዩ፤ ማእለያ የብሉን፤ ክቃለስ ከሎ ከዓ ካብ ልቡ አዩ ተቓሊሱ፣ ብምረት እዩ ተቓሊሱ፣ ብፅንዓት እዩ ተቓሊሱ፤ መሬት ከዓ ግምጥልጥልጥልጥል ኣቢልዋ ጅግና ተጋዳላይና። ንድሕሪት ዘይብል፣ ብማንም ፀገም ዘይስኮን፣ ንማንም ዘይፈርሕ፣ ኣብ ቅድሚ ማንም ፀላኢ ብትብዓት ጠጠው ዝብል፣ ንኹሎም ተፃባእቱ ዘንበርከኸ፣ ኩሉ ግዘ ከም ዝዕወት ዝተኣማምንን ብተግባር እናተዓወተ ዝግስግስን ፅኑዕ ተቓላሳይ ፈርዩ እዩ ኣብ ቃልስና።

ኣነ ከምዙይ ሪአ ኣይፈልጥን፤ ኣብ ከባቢና ‘ውን ውድባት ነይረን እየን ሪአ እዩ ተቓለስቲ። ናይ ሻዕብያ ይኹን፣ ናይ ጀብሃ፣ ናይ ኢህኣፓ ካልኦት ሪአ እየ፤ ኣብ መፃሕፍቲ እውን ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተቓለሰቲ ኩነታት ኣንቢበ ተዓዚበ እየ፤ ፊልም ሪአ እየ ወዘተ ግን ኣነ ንቲ ናይ ትግራይ ተቓላሳይ ክሪኦ ከለኹ፣ ክሓስቦ ከለኹ ከምዙይ ዓይነት ፅንዓትን ጅግንነትን ዝነበሮ ማንም ዝቀራረቦ ኣይረአኹን። ምግናን ኣይኮነን፤ ብስሩ ንምእማኑ ዘፀገም ጅግንነት እዩ ሰሪሑ ተጋዳላይ ትግራይ። ብሓቂ ግዜ ክሓፅረና እንተኾነ እምበር ሽም እናፀዋዕኻ እውን ዝፈፀምዎ ተኣምር ክግለፁ ዝኽእሉ ተቓለስቲ ኣለው። ሐዚ ኣብ ክፍሊ ህዘቢ ዝነበሩ ተቓለስቲ እንተወሲድና አኒ ኣርኣያ ወርቅነህ፣ እኒ መለስ በዛብህ፣ እኒ ኣፅብሃ፣ በዓል ግደይ ኣቦወንበር፣ በዓል ሃለቃ ፀጋይ (ዋላ ሐዚ ካሊእ እንተኾነ ኣብቲ ቃልሲ ግዜ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ እተቓለሰ ወናም ተቓላሳይ እዩ)፣ በዓል ቢተው በላይ… ወዘተ እሞ ጠቒስካ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ሐዚ ኣብቲ ክፍሊ ህዝቢ ኣልዒለ እምበር ኣብቲ ካልኦት ክፍልታት ‘ውን ንኣብነት ኣብ ስርዒት፣ ኣብ ክፍሊ ርክብ፣ ኣብ ክፍሊ ፖለቲካ ዲኻ ትብል፣ ኣብ ሬድዮ ርክብ ዲኻ ትብል፣ ኣብ ክፍሊ ኢኮኖሚ ዲኻ ትብል፣ ክፍሊ ዕጥቂ ዲኻ ትብል ዝነበሩ ተቓለስቲ ብሓቂ ፅኑዓት ኣብ ዝኾነ ግዜ ዘይርስዖም ሐዚ ‘ውን ናይ ምቅላስ መንፈሰይ ከይትሕት ዝገብሩ ዘለው ተቓለስቲ እዮም ክብለካ ይኽእል። 

ውራይና፦ ኣብቲ ናይ ስርዒት ብዙሓት ኣባላት ስርዒት ደርጊ ሒዝዎም ሚስጢር ከየቃለዑ፤ ሚስጢር ዓቂቦም ዝተሰውኡ ኣለው እዮም ከምኒ የማነ ብርሃን ናይ ኣኽሱም ኣውራጃ ኣመሓዳሪ ዝነበረ፣ ከም በዓል ወልዱ ንጉስ ኩሓ፣ ከም በዓል ክንደያ ኣክሱም፣ ከም በዓል ሚዘር  ወዘተ ዝበሉ ብዙሓት ተማሪኾም ደርጊ ክትዓኑ እዩ ዘለካ ቃልስና ትኽክል እዩ ዝብሉ/ዝብላ…. ከዘኻኽረካ ኢለ እየ ኣብቲ ፅንዓት….

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ እወ! ከምቲ ዝጠቐስካዮም ከምኒ ኣሞራ ዝበሉ ‘ውን ሓዊስካ ብዙሓት ኣለው እዮም። ናብ ዝርዝር እንተኣቲና ብዙሓት እዮም፤ ንኣብነት  ኣብ ኣዲስ ኣብባ ዝነበሩ ከምኒ ኣለም ሰገድ ይግዛው፣ ሓው ስብሓት ነይሩ መምህር ኮታስ ክንደይ ኢልካ እሞ  ብዙሕ ሰብሲ ብፅንዓት ተቓሊሱ እዩ። እቲ ናይ ምቅላስ ወነን ፅንዓትን ሲ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅኩልካ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ አቲ ቃልሲን ኮይኖም ብፅንዓት ዝቃለሱ ክዝክሮ ከለኹ ንዓይ ድቃስ ኣይበኒን።

ውራይና፦ እዞም ከምዙይ ዝበሉ ተቓለስቲ ዝተሰወኡ ይኹኑ ብህይወት ዘለው ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ኣብ ዝግበኦም ቦታ ኣብ ምቕማጥ ሽግር ኣሎ ቀደም ‘ውን ነይሩ እዩ ዝበሃል፤ ስለዚ ኣብ ምብርትታዕ ዓርሶም ኪኢሎም ብብልሖም ናብ ቦታታት ክመፁ ዝግበኦም ግን ቦቶኦም ኣይረኽቡን ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ እዙይ ንስኻ ከመይ ትርኦ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ዋእ! ብሓቂ ብዙሓት ተቓለስቲ ንቲ ደሓር ዓብላሊ እናኾነ ዝመፀ ናይ ማለሊት ጉጅለ ደገፍቲ ኮይኖም ስለ ዘይተረኸቡ ይኹን በቢ እዋኑ ንቲ ጉጅለ እቲ ሕቶታት እናልዐሉ እቲ ቃልሲ ክስተኻኸል ዝገብሩ ዝነበሩ ይኹን ምኽንያታት እናተፈጠረ ገና ካብ በረኻ ጀሚሩ ፀገም የጋጥሞም ከም ዝነበረ ይሰምዕ እየ። ብፍላይ ንገሊኦም ሕቶ እንተቕሪቦም እዚ ካብቶም ናይኒ ኣረጋዊ ናይኒ ግደይ ኣረኣእያ ዝነቐለ እዩ እናተበሃሉ መከረኦም ዝረኽቡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብበዝሒ እውን ዝተኣሰርሉ እዋናት ከም ዝነበረ ይዝክር እየ። ናብ 2000 (ክልተ ሽሕ) ዝኾኑ ተጋደልቲ ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ይዝክር እየ፤ ዝተባረሩ ከም ዝነበሩ ‘ወን ይዝክር። ክእለት ዘለዎም ኮይኖም እነሃለዉ ‘ውን ስራሕ ንከይሰርሑ፣ ሞራሎም ንክወድቕ፣ እናዞሩ ክነብሩ ዝተገደዱ ከምዘለው ይፈልጥ አየ።

እሞ እቲ ናይ እማን ተቓላሳይ፣ እቲ ኣምሪሩ ንፍትሕን ንቕንዕናን ዝቃለስ እቲ ዝግበኦ ቦታ ኣይረኸበን። መን እዩ ናብ ስልጣን ተፀጊዑ ዝኒሀ እቲ መቀባጠራይ ንቶም መራሕቲ ናይ ማለሊት ኣለኹ ኣለኹ በሃላይ፣ ተሓሽካራይ … ንዙይ ናብ ስልጣን ኣደየቦም ካብ ህዝቢ እንዳገፈፈ ክሃጥር ክዓቢ ገይሮሞ እዮም። እዞም ቅኑዓት ተቓለስቲ ብሓቂ እንኳዕ ተረፎም። ምኽንያቱ ብመሰረቱ ዝተቓለሱ ንቱ ህዝቢ ኢሎም ስለ ዝኾነ እንኳዕ ተረፎፍም ‘ወን ዘብል እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ዝተቓለስሉ ህዝቢ ሐዚ’ውን ሓመድ እናደፍአ ሓመድ መሲሉ እዩ ዝነብር ዘሎ። ብምግቢ ንስራሕ፣ ብሰፍቲኔት እንታይዶስ ከመይ ዶስ ናይ ምፅዋት እዩ ዝኒሀ ንቲ ህዝቢ። ብናይ ልመና እኽሊ እዩ ዝነብር ዘሎ እሞ  አዞም ሓቀኛ ተቓለስቲስ እንኳዕ ተረፎም ዘብል እዩ። እምበር እቲ ቀንዲ ተቓላሳይ እቲ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ቀትርን ለይትን ደርገፍገፍ ዝበለ፣ እተቓለሰ፣ እተሰወአ፣ ኣካሉ ዝጎደለ.. ዝረብሕ ነገር ረኺቡ ክብለካ ኣይክእልን።

ውራይና፦ ንቲ ናይ ተጋዳላይ ፅንዓት ጅግንነት ተኣምራዊ ምዃን ትገልፅ ኣለኻ እሞ አዙይ ካበይ ይምንጩ ይመስለካ? ገለ ሰባት ካብቲ ናይ ትግራይ ናይ ተዓዋታይነት መንፈስ ካብ ታሪኽ ዝምንጩ እዩ ይብሉ፤ ገለ ድማ ካብ ናይ ማሌ(ማርክስ ሌኒናዊነት) መተንተኒን ኣወዳድባን ዝምንጩ እዩ ይብሉ እዮም አሞ ንስኻ ምስቲ በዓልኻ እውን ዝመራሕኻዮ ምዃንካ ካብ ምንታይ ዝምንጩ እዩ ትብሎ?

ዶ/ኣረጋዊ፦  ግርም! ዝብለካ ናይ ኩሉ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ኣብ ሓንቲ ተትኩሮሉ እሞ ካብዙይ ጥራይ ዝምንጩ እዩ ትበሎ ኣይኮነን ናይ ብዙሕ ኣስተዋፅኦታት ኣለዎ። ናይቶም ዝበልካዮም ክልቲኦም እውን ኣለዎ፤ ካብቲ ዝጠቐስካዮ ብተወሳኺ ድማ እቲ ህዝቢ ዝነበሮ ፀገም ውን ማለት ዝብለካ አቲ ህዘቢ ካብ ፀገም ናብ ፀገም እናተሳጋገረ ብጣዕሚ መሪር ናብራ እዩ ዝነብር ነይሩ። ስለዚ እዚ መሪር ናብራ እዙይ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ክመፅእ ከሎ እቲ ሰብ ንዚ መሪር ናብራ ንኸውግድ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ቆሪፁ ተላዒሉ እዩ። እንድሕር  እዚ ናብራ እዙይ ክንቅይሮ ንኽእል ኮይና ንምንታይ ሂወትና እውን ዘይንሓልፍ ምእንተ እቲ ኣብዝሓ ህዘቢ ዝብል ውሳነ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ተለዓዒሉ ነይሩ እዩ። ካልኣይ ኣመራርሓ እዩ፤ እቲ ቃልሲ ምስተጀመረ እቲ ሽዑ ዝነበረ መሪሕነት ኣብነት መርኣያ እዩ ነይሩ። መስዋእቲ ንምዃን ንድሕሪት ዘይብል ኣብነት ኮይኑ እዩ ዝቃለስ ነይሩ። ብድሕሪት ኮይኑ ብዙይ እተው እዙይ ግበሩ ዝብል ዘይኮነስ ባዕሉ ቅድሚት ኮይኑ ዝቃለስ ስለ ዝነበረ ኣብነት ኮይኑ ማለት እዩ እቲ ድሕሪኡ ዝመፅእ እውን ከም ሞዴል ሪኡ ንዕኡ ተኸቲልዎ እዩ። ስለዚ ናይቲ መሪሕነት ብጠቕላላ ዝነበረ ውፍይነት ናብቲ ካሊእ እውን እንዳሰገረ ክጅግን ገይርዎ እዩ እሞ ናብቶም ዝበልካዮም ክልተ ነጥብታት አዙይ እውን ተወሲኽዎ ናይ ኩሉ ተሓዋዊሱ ተደማሚሩ ንቲ ተቓላሳይ ጠንኪሩ ክዘልቕን ፀዋርን ንመስዋእትነት ቅሩብ ንክኸውንን ገይርዎ እዩ ይብለካ።

ውራይና፦ እቲ ከምዙይ ዝበለ ተጋዳላይ፣ ከምዙይ ዝበለ ተቓላሳይ፣ ንህይወቱ ‘ውን ምንም ዘይስስዕ ተቓላሳይ … ኣብ ኩሉ ክፍልታት ከም ዝነበረ ኢኻ ትገልፆ ዘለኻ…. ካብቲ ምንጪ ጅግንነቱ እውን ክትገልፀለይ ከለኻ እቲ መርሕነት መርኣያ ኮይኑ ብተግባር ከም ዝመርሕ ነበረ ትገልፅ ኣለኻ፤ እዞም ኩሎም ከምዙይ ገይሮም ተቓሊሶም ዝመፁ ኣካላት (ካብቶም ትገልፆም ጀጋኑ እውን ገሊኦም ብሂወት ዘለው እዮም) ሐዚ ንምንታይ ከምቲ ባዕልኻ እውን እትገልፆ ዘለኻ ፀረ ዴሞክራስያውነት ክዕብልሎም ኪኢሉ? ከምኡ ኢሎም ወይኖም ዘይቀፀሉ? ድሕሪ ዓወት ማለት ንደርጊ ምስ ሰዓሩ ንምንታይ ባህሪኦም ይልውጥ ኣሎ? ካብ ምንታይ ይምንጩ ይመስለካ እዙይ ከ?

ዶ/ኣረጋዊ፦ እቲ ባህሪኡ ዝቐየረሉ ምኽንያት ብፍላይ ድሐሪ ማለሊት ምስረታ ኣፈላላይ ክፍጠር ጀሚሩ፤ ሱር ዝሰደደ ኣፈላላይ ማለት እዩ። ካሊእ ይትረፍ ምስቲ ናይ ማለሊት ምስረታ ተተሓሒዙ ዝመፀ ንመራሕቲ ፍሉይ ኣታሓሕዛ ክግበር ኣለዎ፣ ንመሪሕ ባእታ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ክግበር ኣለዎ ወዘተ ዝብሉ ኣርኣእያታት መፂኦም አዮም። ዋላ ናብ ዝርዝር እውን ከይዶም እንታይ ይበልዕ እንታይ ይሰቲ ካብቲ ካለእ ክፍለ ኣለዎ ዝብል ኣርኣእያታት እናማዕበሉ መፂኦም። ስለዚ ንቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኣካል ፍሉይ ገይርካ ንኽርአ ጀሚሩ እዩ። ድሕሪኡ ስልጣን መንግስቲ ምስተተሓዘ ኣራጉድዎ ነቲ ስልጣን ምሓዝን ምስ ስልጣን ዝመፅእ ረብሓታት ከዓ፣ ሕልፊ ረብሓታት ከዓ ንቲ ኣራእያ እቲ ኣራጉድዎ እትው ምስ በሉ እዮም ናብ ስሱዕ ዝኾነ ናይ ስልጣንን ስሱዕ ዝኾነ ናይ ንብረትን ምእካብ ዝኣተው። ዋላ ድሓር እውን ብኒ ታምራት ላይነ  ዝረኣናዮ አዙይ እዩ። ስለዚ ከምዙይ ኢሉ ቀስ እንዳበለ ዝማዕበለ እዩ፤ ማዕቢሉ ንኹሉ በዓል ስልጣን ፍሉይ ሓለፋ ንኽረክብ በሪ ተኸፊትሉ። ከምዙይ ኢሉ እዩ ማዕቢሉ እየ ዝብል። ብሓደ ግዜ እተለወጠ ዘይኮነ ቀስ ኢሉ ደረጃ ብደረጃ… ብርግፅ ኣብቲ ናይቲ ቃልሲ መወዳእታ ድሕሪ ማለሊት ምስረታ ብዝተወሰኑ ኣርኣእያታት ሱር እናሰደዱ ዝመፁ እዮም ሐዚ ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ ኮራፕሸን እውን ሓደገኛ ኮይኑ ንርኦ ዘለና።

ውራይና፦ ግደ ህዝቢ ብፍላይ ደቂ ኣነስትዮ ኸ ንቲ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ከመይ ነይሩ ትብሎ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ግደ ህዝቢ ኣብቲ ቃልሲ ካብ መጀመርትኡ ጀሚሩ ዓብዪ እዩ ነይሩ። ከምቲ ዓንተወይ እውን ጥቕስ ዘበልኩልካ ደቂ ኣነስትዮ እቲ ቓልሲ ፍትሒ ከም ዘምፀአለን ካብ መጀመርትኡ እየን ኣሚነናሉ ተሳቲፈን ‘ውን።  ናይ መጀመርታ ተቓላሲት ማርታ እያ ነይራ። ማርታ ብሓቂ ተቓላሲት ነይራ። ቅድሚ ህወሓት ‘ወን እንተኾነ ፍትሒ ደልያ ነፃነት ደልያ ናብ ጀብሃ ‘ውን ከይዳ ክትቃለስ ጀሚራ ነይራ እያ። ናታ ፈለግ ተኸቲለን ዝመፃ ኩለን ብርቱዓት ተቓለስቲ ነይረን። እከለ እከለ ኢልካ ምፅዋዕ ትርጉም ዘለዎ ኣይመስለኒን ብምሉአን ጀጋኑ ነይረን፣ ተበዓት ነይረን፣ ንቲ ወዲ ተባዕታይ ‘ውን ትብዓት ንኽገብር ኣስተዋፅኦ ነይርወን። ብምኽርን ኣብነት ብምዃንን፣ ብምምሃርን ብምጥርናፍን ብምንቃሕን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ነይርወን። እዚታት ኣብተን ናይ ገጠር ደቂ ኣነስትዮ ‘ውን ኣብተን ናይ ከተማ ደቂ ኣነስትዮ ‘ውን ተነሓላሊፉ እዩ። ካብኡ ተለዓለ ዓቕምና ካብ ዝሽከሞ ንላዕሊ ካብ ገጠር ይኹን ከተማ መፂአናና እየን ናብቲ ቃልሲ። ዓቕሚ ውድብ ካብ ዝሽከሞ ንላዕሊ መፂአን እየን። እቲ ደፊኡ ዘምፀአን ድማ እዚ ናይ ፍትሒ ኣንፈት ናይተን ደቂ ኣነስትዮ ኣብነትነትን እዩ።

ደሓር እውን ንቲ ቃልሲ መልክዕ እናትሐዝኦ ብፍላይ ከም በዓል ኣረጋሽ፣ ንግስቲ፣ መብራት፣ የውብማር… ኩለን ንቲ ቃልሲ መልክዕ ከትሕዛ ዘይገበርኦ ቃልሲ ኣይነበረን። ብዙሕ ሽግር ከዓ ኣሕሊፈን እየን። ብሓቂ ጠንኪረን ስለ ዝተቓለሳ ንደቂ ኣነስትዮ ኩለን ኣብነት ኮይነን ናይ ደቂ ኣነስትዮ ማሕበር ንክፍጠር  ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ኣኽኢለን እየን። ብርግፅ እቲ ማሕበር ብዙሕ ፀገም የጋጥሞ ነይሩ። ይዝክር ሓደ ግዜ ኣብ ደጀና ዝነበረ ጉባኤ ናይ መጨረሻ ጉባኤ ናታትን ኣነ ዝርኣኽሉ ማለት እዩ ብድሕሪኡ ኣየጋጠመኒን ኣይነበረኒን እቲ ዕድል እውን ኣብኡ ከይተረፈ ዘልዕለኦ ዝነበራ ሕቶታት ጠንካራ ስለ ዝነበረ ብሱል ስለ ዝነበረ እኒ መለስ ንቲ ሕቶአን ምምላስ ኣብይዎም ክሳብ ናብ ፀርፊ ዝኣተውሉ ስቕ ኢሉ ናይ ስድነት ዘለዎ ፀርፊ እስካብ ከምናይ ጎላንታይ መፅሓፍ ከም መመወፅ ስኒ እናመወፅክን ኣይተፅማና ምባል ዝተበፅሐሉ እዋን እዝክር እየ ኣብኡ ኣብቲ ጉባኤ ነይረ። እሞ እዙይ ዘርእየካ እንታይ እዩ ናይተን ደቂ ኣነስትዮ ጠንካራ ተቓላሳይነትን፣ ንፍትሒ ዝገብረኦ ዝነበራ፣ ንመሰል ዝገብረኦ ዝነበራ ምንቅስቓስን ዘርኢ እዩ።

ውራይና፦ ናብዚ ናይ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ዘሎ ክንመፅእ ከለና፤ እቲ ዝተፈጠረ ሕገ መንግስትን ዝተተኸለ ፌደራላዊ ስርዓትን ንታ ሃገር ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ ሓድነት ንኽትቅፅል ኣኽኢልዋ እዩ ዝብል ኣሎ እሞ ኣብዙይ ዘለካ ሪኢቶ እንታይ እዩ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ግርም! ክልተ ነጥቢ ኢኻ ኣልዒልካ ሕገ መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን። ቀዳማይ ሕገ መንግስቲ ማለት ግጉይ ትርጉም እዩ ተዋሂብዎ ብህወሓት/ኢህወደግ። ሕገ መንግስቲ ናይ ሓደ ውድብ ፕሮግራም ማለት ኣይኮነን። ሕገ መንግስቲ ማለት እታ ዓዲ ብሃገር ደረጃ እትመሓዳደረሉ ቀዋሚ ሕግታት ዝሓዘ እዩ። እታ ዓዲ ከም ሃገር ደረጃ እቲመሓደረሉ እንተኾይኑ ኸዓኒ ናይ መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ ተነኣሰ እንተኾነ ናይ ኩሉ እንተደኣ ዘየለ ናይ መብዛሕትኡ ህዝቢ እምነት ዘንፀባርቕ እዩ ክኸውን ዘለዎ እቲ ሕገ መንግስቲ።  እዚ ሐዚ ንርኦ ዘለና ሕገ መንግስቲ ግን ብዋናነት ህወሓትን ኦነግን ኮይኖም ንቐደም ቻርተር ዘፅደቕዎ አዩ ቅሩብ ተወሳሲኽዎ ሕገመንግስቲ ኮይኑ፤ እዙይ ናይ ውድብ ደኣ እምበር ናይ ህዝቢ ድሌት ዝሓቖፈ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ናይ ፌደራሊዝም ኣከያይዳ እውን ምስዚ ዝተተሓሐዘ ኮይኑ፤ ፌደራሊዝም ብመሰረቱ መንፀፍ ዝገብር ዴሞክራሲ እዩ፤ ፌደራሊዝም እኮ ናይ ህዝብታት እተፈላለየ ኣካይዳ ዘለዎ፣ እተፈላለየ ቅዋም ዘለዎ፣ እተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ህዝብታት ዘራኽብ ነገር እዩ። ምስቲ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ክኸይድ ዝኽእል አዩ። ናይ ኢትዮጵያ ክህሉ ኣለዎ እንተይልና ፌደራሊዝም እንድሕር ዴሞክራሲ መንፀፍ ገይሩ ዝበለ ዘቀራርብን ዘወሃህድን ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓ ፖለቲካዊ ፕሮጀክት እዩ። መዓት ዓድታት ብፌደራል ስርዓት እየን ዝመሓዳደራ። ካብዚ ካብ ስዊዘርላንድ ጀሚርካ መዓት ዓድታት። ተበታቲኑ ዝነበረ ሓይሊታት ተኣኪቡ ተማይጡ ተዘራሪቡ ብማዕረነት ብዴሞክራስያዊ መንገዲ ብህዝባዊ ወከልቱ ኣቢሉ ዝምስርቶ እዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዝኒሀ ፌደራሊዝም ግን ፌደራሊዝም እዩ ክትብሎ ኣይትኽእልን።  

ውራይና፦  እቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ሓደ ውድብ ማንፌስቶ እዩ ትብሎ ኣለኻ ብዙሕ እውን ተናእሶ ኣለኻ፤ ብዙሓት ፀሓፍቲ ሙሁራትን ናይ ፖለቲካ ሰባትን ግን እቲ ሕገ መንግስት ፅቡቕ ዝተማለአ ሕገ መንግስቲ እዩ፤ ንኹሎም ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዝሓቖፈ እዩ። እቲ ፀገም እቲ ሕገ መንግስቲ ክሸራረፍ ከሎ እዩ እዮም ዝብሉ እሞ ንዙይ ከመይ ተሳንዮ? እዙይ ንናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ድሌት ዘየንፀባርቕ እዩ እትብሎ ከምኡ ክትብል ዘኽእለካ እንታይ እዩ? ከመይ ገይርካ ህዝቢ ዘየሓቁፍ ትብሎ ኣለኻ?

ዶ/ኣረጋዊ፦ ቅድሚ ኩሉ እቲ ሰብኣዊ መሰላት ዴሞክራስያዊ መሰላት ዝበሃል ኣብ ኩሉ ሕገ መንግስቲ ትረኽቦ ኢኻ። ኣብ ናይ ሃይለስላሴ ትረክቦ ኢኻ፤ ኣብ ናይ ደርጊ ትረኽቦ ኢኻ፤ ሕገ መንግስቲ ክበሃል ከሎ ንሱ ዘይብሉ የለን፤ ስለዚ ንሱ ከም ስታንዳርድ ውሰዶ። ክህሉ ዘይብሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኣመነሉ ሓደ ናይ መሬት እዩ። ናይ መሬት ሕቶ ሓደ ቁልፊ ሕቶ እዩ፤ ኣብቲ ሪቮልሽን እውን ዋና መለዓዓሊ ዝነበረ እዩ። እዙይ ግን ናይ መንግስቲ እዩ ኢሎም ኣቐሚጠሞ፤ ኣብ መቓብርና እዩ ዝልወጥ እንዳበሉ እውን ይፍክርሉ.. መለስ እውን ይፍክረሉ ነይሩ…እቲ ህዝቢ ግን እንታይ ይደሊ ተባሂሉ ኣይተሓተተን። ህዝቢ መሬት ናይ ግሊ ይኹን ድዩ ክብል ናይ መንግስቲ ይኹን ድዩ ክብል ኣይሰማዕናን። መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ መሬት ናይ ግሊ ይኹን ከም ዝብል ትግምት ኢኻ ዝኮነ ኮይኑ ግን እቲ ህዝቢ ተጠይቑ ዘይኮነስ እዙይ እዩ ዝሕሸካ ተባሂሉ እዩ ተወሲኑሉ።

ውራይና፦ ኣብታ ሕገ መንግስቲ ግን እኮ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ኣይኮነትን እትብል። ናይ መንግስትን ህዝብን እያ እትብል….

ዶ/ኣረጋዊ፦ እሞ ዋላ ድኣ ብፅሑፍ ናይ መንግስትን ህዝብን ኢላ ትቀመጥ እምበር ብተግባር እኮ ናይ መንግስቲ እዮም ገይረሞ። መንግስቲ እዩ ከም ድላዩ ዝእዝዞ። እቲ ፓርቲ እዩ ዝእዝዞ፤ እቲ ፓርቲ ንቲ መንግስቲ ይእዝዞ መንግስቲ ድማ ኣብ ተግባር የውዕል። ስለዚ ሓደ መርኣያ እቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ውድብ እዩ ዘብለኒ እዙይ እዩ።

እቲ ናይቲ ፌደራል ኣወቓቕራ ኸዓኒ (ምስቲ ሕገ መንግስቲ እውን ይተሓሓዝ እንድዩ) ብምንታይ እዩ ዝጅምር ናይ ኢትዮጵያ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢሉ ይጅምር እሞ ብኽልል ይኸፋፍለን። ክልል ክኸፋፍለን ከሎ ከዓ ብቛንቋ እዩ ዝኸፋፍለን። እምበር ካልኦት ረቛሕታት ኣብ ግምት ኣየእተወን። ጂኦግራፊ ኣብ ግምት ኣየእተወን፤ ኢንቫይሮመንት ኣብ ግምት ኣየእተወን፤ ናይ ኢኮኖሚ ትካላት ዝተኣሳሰርሉ ዝጋፍሕሉ ኣብ ግምት ኣየእተወን፤ ጥራሕ እታ ቋንቋ ሒዙ ብቛንቋ ክንከፋፈል ኢና ዝበለ እዩ።

ውራይና፦ ኣብኣ እውን ግን ብቛንቋ ጥራይ ኣይኮነትን እትብል እታ ሕገመንግስቲ፤ ኣሰፋፍራ ህዝቢ፣ ቋንቋ፣ መንነትን ፍቓድን መሰረት ብምግባር ይካለል እያ እትብል እምበር ቋንቋ ጥራይ ኣይትብልን?

ዶ/ኣረጋዊ፦ ከምኡ ኢልካ ኣብ ሕገ መንግስቲ ምስፋር ህዝቢ ዝኣመነሉ ድዩ ዘይኣመነሉ? ኩሉሻዕ ኣብ ሕገመንግስቲ ክሰፍር ዘለዎ ዓንቀፅ ህዝቢ ተማይጡ ከም ሃገር መጠን እቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብርግፅ 100% ዘይክኾን ይኽእል እዩ ግን እቲ መብዛሕትኡ ህዝቢ በዚ መንገዲ እዙይ ንመራሕ ኢሉ ዘስፈሮ ጥራሕ አዩ ኣብ ሕገ መንግስቲ ክቕረፅ ዘለዎ። ትርደአኒ ዶ ኣለኻ…

ውራይና፦ እወ ይርደኣካ ኣለኹ እየ፤ ግን እንታይ ይብል ኣለኹ ኣነ ኸዓ ካብ ዘለኒ ንባብ ተበጊሰ ንኣብነት ዶር ነጋሶ ሓደ ግዜ ኣብ ዘቅረቦ ፅሑፍ፤ እቲ ሕገ መንግስቲ ክፀድቕ ከሎ እቲ ህዘቢ በቢቁሸቱ ሰብ ተዋፂኡ ክሳብ 104 ሰብ ከካብ ጣብይኡ እዩ ዝብል ይመስለኒ ብኣዋርሕ ተማይጥሉ እዩ ይብል….

ዶ/ኣረጋዊ፦ ክላእ! ስመዐኒ… ምይይጣት ይካየዱ ነነይሮም፤ ዋላ ኣብ ወፃኢ እውን ይካየዱ ነይሮም። ግን እቲ ዋና ነጥቢ ህዝቢ ንኽካታዕ ንኽዘራረብ ነፃ ክኾን ኣለዎ መጀመርታ። ምንም ተፅዕኖ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ። ተቓዋሚ ሓሳብ ይኹን ደጋፊ ሓሳብ ይኹን ከም ድላዮም ክንሸራሸሩ ኣለዎም። አዙይ ዘንሸራሽሩ ከዓ ፓርቲታት ክህልዉ ኣለዎም፤ እተፈላለዩ ሓሳባት ዘንሸራሽሩ ፓርቲታት ወይ ንቲ ህዝቢ ፖተንሻሊ ዝውክሉ፣ ንቲ ህዝቢ ድሌት ዘንፀባርቑ ኣካላት ክህሉው ኣለዎም። ስቪክ ማሕበራት ክህልው ኣለዎም። ነፃ ሚድያ ክህሉ ኣለዎ። ናይ ሓደ ወገን ሓሳብ ናይ ህወሓት ወይ ናይ ኢህወደግ ሓሳብ ጥራይ ዘየኮነ ዋላ ናይቶም መሳፍንቲ፣ ዋላ ናይቶም ኮሚንስቲታት፣ ዋላ ናይቶም ሶሻሊስትታት .. ናይ ዝኾኑ ሓይሊታት ኣረኣእያታት ክንሸራሸር ክኽእል ኣለዎ። ብኸመዚ መንገዲ እቲ ህዝቢ እዙይ እዩ ዝጠቀመና ኢሉ ናብቲ ዘበዝሕ ዘወገነሉ ወገን ንሱ እዩ ከም ዓንቀፅ ክኣቱ ዘለዎ። ከምኡ ኢሉ ዲስካስድ ኮይኑ መብዛሕትኡ ምስ ኣመነሉ ዝቕረፅ ዓንቀፅ አዩ ሕገ መንግስታዊ ዓንቀፅ ክበሃል ዝኽእል። እምበር ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ተርቅቕ እሞ ብካድረታትካ ገይርካ ናብ ህዝቢ ምውራድ ገለ መለ.. አዙይ ናይ ሓደ ፓረቲ ስራሕ እዩ፤ ናይ ሃገር ናይ ህዝቢ ስራሕ ኣይኮነን እዙይ።

ውራይና፦ ስለዚ ግድን እቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘሎ ሕማቕ እዩ ኣይኮነን ዘይኮነስ ኣብቲ ኣካይድኡ እዩ ጸገም ነይሩ ብዝብል እየ ዝርድኦ ዘለኹ። ብዝኾነ ንሱ ንመንበብቲ ገዲፍና ናብ ካሊእ ሕቶ ክንሰግር እሞ፤ እቲ ኣብ ልዐሊ ተጋሩ ዝንዛሕ ዘሎ ናይ ፅልኣት ፕሮፖጋንዳ (ኣብ ወፃኢ ብፍላይ ዝገደደ ስለ ዘኮነ ትዕዘቦ ዘለኻ እዩ) ካብ ምንታይ ዝምንጩ ይመስለካ? ንምንታይ እዩ ከምኡ ዘኸውን ዘሎ?

ዶ/ኣረጋዊ፦ ኣብ ዘኾነ ሕብረተሰብ ጎንፅታት ኣለው እዮም የጋጥሙ እዮም። እንታይ ማለት አዩ ልህይቃን (ኤሊት) እናልዐሉ ንናይ ባዕሎም ጥቕምታት ክብሉ ንናይ ባዕሎም ልዕልና ክብሉ ዘጎሃህርዎ ግጭታት ኣለው። ሐዚ ህወሓት ብቓልሱ ስዒሩ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብቲ ስልጣን ዝተወገዱ ሓይልታት ንቲ ህዝቢ እናለዓዓሉ ፀረ ህወሓት ይዘምቱ ይንቀሳቀሱ እዮም። ፀረ ህወሓት ክንወሳቐሱ ከለው ደገፍ ክረኽቡ ካብ ህዝቦም ከዓ ዝደልይዎ ሓገዛት ናይ ማተርያል ይኹን ዋላ ሰብ ንኽረኽቡ ንመለዓዓሊ ዝጥቀምሉ እዩ። እዙይ ብምዃኑ እቲ ጎንፂ እናተባዝሐ ይኸይድ። ሐዚ ብዋናነት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ እዩ እቲ ቅስቀሳታት ካምፔን ዝካየድ ዘሎ። ብኹሎም እቶም ኤሊት እዩ ዝካየድ ዘሎ፤ ብርግፅ ብዋናነት ብቲ ናይ ኣምሓራ ኤሊት እኳ እንተኾነ ኻልኦት እውን የለውን ዝበሃል ኣይከኣልን። አዚኣቶም ኣብ ልዐሊ ትግራዋይ ፅልኣት የካይዱ እዮም።

እቲ ትግራዋይ እውን እዙይ ከም ዝመፅእ ፈሊጡ ዝግባእ ጥንቃቐ ኣይገበረን። ህወሓት ንባዕሉ ልዕልነቱ ንምርግጋፅ ሆይሆይ ኢሉ እዩ፤ ንኣብነት ኤርትራ ነፃ ንኽትወፀእ ኣቐዲሞም ተቓለስቲ ህወሓት ነይሮም፤ ዋና ተንቀሳቐሰቲ ኮይኖም እዮም ቅድሚ ዩናይርድ ነሽንስ። እዙይ ንቲ ናይ ኢትዮጵያ ናሽናሊስት ዝኾነ ወገን ርእሱ ንከድንን ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓስ እዩ፤ ስለዚ ‘ውን ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ ትግራዋይ ንኽፅላእ። ከምዚታት ዝበለ ናይ ህወሓት ጉደለታት እውን ናብቲ ናይቶም ንረብሕኦም ዝንቀሳቐሱ ኤሊት ተወሲኹ ንኽንፅላእ ምኽንያት ከይኑ እኒሀ እዩ። እቶም ሓይልታት ትምክሕቲ ሐዚ ህወሓት ይዳኸም ኣሎ ስለ ዝበሉ ሞራሎም ልዕል ኢሉ ፅለኣቶም ብግልፂ የጋውሕዎ ኣለው። እዚኣቶም ክንደይ ሚኢታዊ እዮም እሞ እንታይ ከ ክገብሩ ይኽእሉ ዝብል ክርአ ይኽእል እዩ። እንታይ ንምባል እየ እዚኣቶም ብጣዕሚ ውሑዳት ስለ ዘኾኑ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ እዙይ ኣየዋፅእን፣ ናይ ዘርኢ ፖለቲካ ክንኩንኖ ኣለና፣ ንኢትዮጵያ ዘፍርስ እዩ፤ ብስሩ ድማ ትግራዋይ ሓውና እዩ ኢሎም ዝቃወምዎ ከም ዘለው ክንርስዕ የብልናን ንምባል እዩ።

ውራይና፦ ኣብቲ ናይ ኤርትራ ነፃነት ዝምልከት ግን ካብ ኣልዐልካያ፤ ካብ መጀመርታ ጀሚርኩም አኮ ናይ ኤርትራ ሕቶ ናይ ኮለንያሊዝም ሕቶ እዩ ነፃነታ ክትረክብ ኣለዋ እኮ ኢልኩም ኣብ ፕሮግራምኩም እውን ኣቐሚጥኩም ነይርኩም ኢኹም…

ዶ/ኣረጋዊ፦ ጌጋ ገይርና! ተባሂሉ እዩ ብርግፅ፤ ግን ሰኣን ምፍላጥ እዩ ጌጋ እዩ። ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበልናዮ ተጋጊና ኢና፤ ሰኣን ፍላጥ አዩ።

ውራይና፦ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኣይሰላም ኣይኩናት ከመይ ትሪኦ? ንሰናይ ጉርብትና ክልቲኦም ህዝብታት ከ ታይ ትመክር?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ክንሪኦ ከለና ብመሰረቱ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዘሎ ርክብን ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሎ ርክብን ፈላሊና ክንሪኦ ኣለና። ተፈላሊዩ ‘ውን ክርአ ኣለዎ። ህዝብን መንግስትን ምትሕውዋስ ናብ ጌጋ መንገዲ እዩ ዘምረሐና። ህዝብ ሓደ ኣካል እዩ መንግስቲ ከኣ ካሊእ ኣካል እዩ። ሐዚ ህወሓትን ህዝብ ትግራይን ሓደ ኣካል እዩ ክብሉ ይሰምዕ እየ። እዙይ ብመሰረቱ ጌጋ እዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣለው። እቶም ኣረኣእያታት ናብ ምውዳብ እንድሕር ከይዶም እተፈላለየ ፓርቲታት እዮም ዝፍጠሩ። እዙይ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣካል ስለ ዝኾነ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክንቀሳቐስ መሰል ኣለዎ። ህወሓት ዝፈጠሮ ኩነታት ግን እዙይ ኣይኮነን። ኣነ ጥራሕ እየ ተቓሊሰ ኣነ ጥራሕ እየ ስልጣን ዝግበአኒ ኢሉ ኣብ ሽግር ኣእትዩና እኒሀ። ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው እያ ኣትያ ዝኒሃ፤ ብፍላይ ትግራዋይ ድማ ኣብ ፈተና እዩ ዝኒሀ፤ ሓደ ምኽንያት እውን እዚ ሓደ ኢና እንዳበሉ ካብቲ ፓርቲ ተፈልዩ ከይርአ ስለ ዝገበርዎ እዩ። እቲ ተቓውሞ ንዕኦም ጥራይ ኣይኮነን ተሪፉ ናብቲ ህዝቢ እውን እዩ ተሪፉ። ኣብ ጎንደር ዝነበረ ነገር ንህዘቢ ትግራይ ‘ውን ተሪፉ እዩ። ዘሕዝን እዩ።

እዚ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝኒሀ ሓይሊ ናይ ህዝቢ ትግራይ ወኪል ክኸውን ኣይኽእልን። ወኪል ክኸውን እንድሕር ኮይኑ ኣብቲ ዓዲ ዘለው ኣርኣእያታት ተፅዕኖ ብዘይብሉ ናብ ውድድር ናብ ምርጫ እንተቅሪብዎ እሞ ሲዑሩ እንተወፂኡ እዩ። እዚኣ ክገብራ ኣይደልን ኣይገበራን ከዓ። ንኹሎም ዝቃወሙ፣ ንኹሎም ዝተፈላለየ ኣርኣአያ ዘለዎም ሓይልታት ካብ ትግራይ ኣባሪሩ እዩ፤ ቀጥቂጡ። በዙይ ምኽንያት እዩ ኸዓ ንሕና እውን ኣብ ወፃኢ ኮይና ንቃለስ ዘለና፤ እዙይ ከዓ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጦ ኣለዎ።

እሞ ናይ ኤርትራ ሕቶ ‘ውን እንተሪኢኻዮ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ስልጣን ሒዞም ዘለው ኣምባገነናት እዮም መለኽቲ እዮም ብዴሞክራስያዊ መንገዲ ፍትሒ ከምፅኡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ስለዚ ካብዞም ፀረ ዴሞክራሲ ዝኾኑ ብምይይጥ ዘይኣምኑ፣ ብናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዘይኣምኑ ሓይልታት ሰላም ከምፅኡ እዮም ኢልካ ምእማን ዘይሕለም እዩ ኣየምፅኡን። ቅድሚ ሕዚ ክልቲኦም ሓይልታት ዝፀሓርዎ ጦርነት እውን ዘየድሊ ደም ምፍሳስ ኣስዒቡ እዩ። ስለዚ እንታይ እዩ ክግበረ ዘለዎ እቲ ህዝቢ ነይዙይ ተረዲኡ ምስቲ ፅዒሩ ዝነብር ህዝቢ ተሰማሚዑ ክነብር ክፅዕር ኣለዎ። ህዝቢ ንህዝቢ እኮ ዘጋጩ መኽንያት አኮ የብሉን። ማለተይ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ዋላ ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰሪሑ ብሰላም ክረክብ ፍትሒ ክረክብ ጥራሕ እዩ ዝደሊ። እቲ ሓደ ህዝቢ ድማ ንቲ ካሊእ ህዝቢ ፍትሒ ኣይከልኮሎን። ፍትሒ ዝኸልእዎ ዘለዉ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ንሃቱ ሓይልታት እዮም። ንዞም መሰል ዘይህቡ ገዛእቲ ኣወጊዱ ዴሞክራስያዊ ዝኾኑ ሓይልታት በዓሉ መሪፁ ናብ ስልጣን ኣብቂዑ ክመሓደር ኣለዎ። ድሕረኡ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ርክብ ተፈጢሩ ሓቢርካ ንምምዕባል ይከኣል እዩ።

ውራይና፦ እዙይ ንምግባር ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ክልልና ዘለው ተቓወምቲ ጥንኩራት ኣይኮኑን፤ ንቲ ህዝቢ ናብ ዝሓሸ ስርዓት ከሰጋግርዎ ዝኽእሉ ካብቲ ዘሎ ዝሓሸ ቅሞና የብሎምን ኢሉ ህዝቢ ይዛረብ እዩ። እዙይ ከመይ ክኸውን ኣለዎ? ታይ እዩ ሪኢቶኻ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ቅቡል እዩ እቲ ህዝቢ ዝብሎ ዘሎ። ብሓቂ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ፀገም ፈቲሕና ንቲ ህዝቢ ክንቀርቦ እሞ እቲ ህዝቢ ተቓሊሱ ተወዲቡ ናብቲ ዝደልዮ ክሰጋገር ኣየኽኣልናዮን። ስለዚ ከምኡ ኢሉ ምውቃሱ እቲ ህዝቢ ትኽክል እዩ። እዙይ ከይኸውን ሓደ ዕንቅፋት ግን እቶም ኣብ ስልጣን ዝኒሀው መለኽቲ እዮም። ምኽንያቱ ኣትዩ እቲ ዘሎ ተቓዋማይ ዘሎ ኣርኣእያ ንህዝቢ ከየቕርብ ከይውድብ ከየንቅሕ መንገዲ ከሊኦሞ። ይፍለጥ እዩ ኣብ ትግራይ ናይ ተቐዋማይ ዝበሃል ጋዜጣ እኳስ የለን። ፈቲኖም ነይሮም ኣይተፈቐደሎምን። ስለዚ አቲ ህዝቢ ዝብሎ ዘሎ ትኽክል እዩ ምኽንያቱ እውን ከምቲ ዝብሎ ዘለኹ እዩ።

ውራይና፦ እቲ ምኽንያት ግን ንሱ ጥራይ ድዩ? ማለት ቁርፀኛ ኮይንካ ገለገለ መስዋእቲታት ‘ውን እናኸፈልካ ኣብ ምኻድ ስለ ዝዝሕትሉ እዩ ዝብል ኣሎ። ብዙሓት ፓርቲታት እውን ኣብ ንእሽተይ ጥቕምታት እንተመናጨቱ ምርኣይ ልሙድ እዩ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ልክዕ እዩ! እንታይ ይመስለካ ሐዚ ‘ውን ቁርፀኛ ኾይንካ ንምእታው ምተኻእለ፤ ግን ተዓጢቕካ እዩ ክእቶ ዝኽእል። ተዓጢቕካ ንምእታው ‘ውን ምተኻእለ ነይሩ፤ ነገር ግን ናይ ሕድሕድ ውግእ ክኸውን እዩ። መን ንመን እዩ ክቐትሎ? እዙይ ስለ ዝኾነ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘሕለፍናዮ ውግኣት ብሓደ ገፅ የሕዝነና እዩ። ንኣብነት ምስ ኢድዩ ዝገበርናዮ ኩናት ነኒርእስና ኢና ንቃተል ነይርና። እቶም መራሕቲ ናይ ኢድዩ ናብቲ ጦርነት እውን ቅርብ ኢሎም ኣይፈልጡን። ኣብ ሱዳን ወይ ኣብ ኣውሮፓ አዮም ዝነብሩ ነይሮም። እቲ ድኻ ወገና ግን ነኒርእሱ ተቓቲሉ እዩ። ስለዚ ከምዙይ ክኾን ስለ ዘይንደሊ እዩ ብሓፂሩ። እምበር ብረት ሒዝና ምውጥዋጥ ኣይመኣበየናን፤ ግን ብኸምኡ ዝመፀ ውፅኢት ኣብዙይ እንድሕር ኣብፂሑና ኮይኑ ለውጢ የብሉን እቲ መንገዲ ብሰላማዊ እዩ ክኾን ዘለዎ። ብሰላማዊ ድማ ከልኪሎምና ታይ ክንገብር።

ውራይና፦ ናብ ተጋደልቲ ዝነበርኩም ክንመፅእ ከለና ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ካብቲ ናይ’ቲ ውድብ ምቅላስኩም ዝተገለልኩም ወይ ዝገደፍክሞ ብዙሓት ሰባት ኣለኹም፤ ሐዚ እውን እንተኾነ ንህዝብና ንግደሽ ኣለና ኢኹም ትብሉ ዘለኹም ንኣብነት TAND ዝበሃል ኣጣይሽኩም ትንቀሳቐሱ ኣለኹም ግን ብምሉእኹም ኮይንኩም ፀለውቲ ዝኾንኩም አቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ዝፈጠረልኵም ዓቕሚ ተጠቒምኩም ንቲ ህዝቢ ከም መማረፂ ኣለናልካ ኣብ ምባል ክንዲ እቲ ዝግባእ ኣይኮነን፤ ሓደ ኣብ ወፃኢ ኢኹም ዘለኹም ካልኣይ ተበታቲንኩም ኢኹም ዘለኹም ስጥም ኣይበልኩምን ዝብል እነሀ እሞ ንዙይ ታይ ትብሎ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ፅቡቕ ሕቶ እዩ እዙይ። ንምንታይ ዘይትተሓባበሩ አዩ ከም ዝተረደኣኒ። ከምቲ ዝበልካዮ ቅድሚ 20 ዓመት ከባቢ ኣቢልና ንህዝቢ ትግራይ ኢልና ዝመስረትናዮ ውድብ “ናይ ትግራይ ዴሞክራስያዊ ምትሕብባር” TAND ዝበሃል ሒዝና ክሳዕ ሐዚ ንቃለስ ኢና ዘለና። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣለውና፤ ብርግፅ ንዞም ኣባላትና ንምብታን ንምፍርራሕ ንኸይቃለሱ ንምግባር ብዙሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ። ግን ንቃለሶ ኣለና ኢና። ክንቃለስ ከለና ማንም ትግራዋይ ሓቢሩ ምሳና ክቃለስ ኩሉሻዕ ፃዊዒት ንገብር ኢና። ምስ ትግራዋይ ጥራይ ‘ውን ኣይኮናን ዋላ ምሰቲ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ‘ውን ሕብረት እናፈጠርና ግንባር እናፈጠርና ንኽንቃለስ ብዙሕ ፃዕሪ ገይርና ኢና። ንኣብነት ምስ ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ሕብረት (ኢደሃህ) ዝበሃል፣ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝንቀሳቐሱ ኦሮሞ ኮንግረስ ፓርቲ፣ ናይ ደቡብ ሕብረት ወዘተ ዝመሳሰሉ ‘ውን ብሓባር ሕብረት እናፈጠርና ንኽንቃለስ ብዙሕ ፅዒርና ኢና። ካብቲ ፃዕርታትና ሓደ ንኢትዮጵያ ብጠቕላላ ንትግራይ ድማ ብፍላይ ዝጠቅም ስርዓት ንምምፃእ እንታይ ተተገብረ ይሕሽ ዝብል ፅንዓታት እናካየድና ንህወሓት መለስ ብሂወት እናሃለወ ሊኢኽናሎም ኢና። ኣብ መፅናዕቲ ዝተደገፈ ፅሑፋት ማለት እዩ፤ መማረፂ ዝበልናዮ። መን እዩ ዝተዓረቕ መን እዩ ዝተበኣሰ ታይዶስ ከመይ ዶስ እናበሉ እናናሸው ደርብዮሞ እዮም፤ እቲ ዶክመንታት ግን ኣሎ እዩ ታሪኽ ኣይስሕቶን።

ስለዚ ተጋደልቲ ህወሓት እውን ንምትእኽኻብ ፃዕርታት ተገይሩ እዩ። ሐዚ ‘ውን ይግበር ኣሎ። ብርግፅ ሓደ ሓደ ኣብ ኣናእሽተይ ምኽንያታት ዘርሕቖም ከም ዝነበረ ከዝክረካ ይደሊ፤ ንኣብነት ህዝቢ ትግራይ ብዘካየዶ ቃልሲ ተዓዊቱ እዩ ዝብሉ ኣለዉ፤ ካብቲ ሓደ መፈላለዪ ነጥቢ እየ ዘቕርበልካ ዘለኹ። ናህና ቅዋም እንታይ ነይሩ ሓደ ግዜ ኣብ ዝነበረ ዝርርብ፣ ህዝቢ ትግራይ ተቓሊሱ ንደርጊ ኣውዲቑ እዩ። ግን እቲ ዝደልዮ መሰል ዓርሰ ውሳነ፣ እቲ ዝደልዮ ነፃነት፣ እቲ ዝደልዮ ዴሞክራሲ፣ እቲ ዝደልዮ መሰል ስለ ዘይረኸበ ግን ተዓዊቱ ክበሃል ኣይከኣልን ዝብል መካትዒ ነጥቢ ኣቕሪብና። እዙይ ደስ ዘይበሎም ተጋሩ ተዓዊቱ እዩ ጥራሕ ክብሉ ዝደልዩ ኮርዮም ርሒቖምና። ሐዚ ኮሪኻ ምርሓቕ ‘ውን ኣይመድለየን ነይሩ፤ ማለት ናይ ኣርኣእያ ኣፈላላይ እዩ ተዓዊቱ እዩ እንድሕር ኢሉ እንተኣሚኑ ንሕና ድማ ንደርጊ ምፍራስ ኣይኮነን ነይሩ ዕላምኡ ንደርጊ ኣፍሪስካ ምልማዕን ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምህናፅን እዩ ኢልና ኣፈላላይና ሒዝና ሓቢርና ግን ክንቃለስ ንኽእል ኢና ኢልና ሐዚ እውን እንተኾነ ከምኡ ክንገብር ይግባእ። ሐዚ እውን ማንም ክቃለስ እየ ዝብል ትግራዋይ ውድብ ይኹን ዘይተወደበ እዚ መልእኽቲ እዙይ ከሕልፈሉ ይደሊ እየ። ኣፈላላይ ዋላ እንተሃለወና ሓቢርና ክንቃለስ ኢና ንደሊ፤ ኣፈላላይና ሒዝና መልክዕ ኣትሒዝና ብዴሞክራስያዊ መንገዲ እናተኻታዕና ክንተሓባበር ኣለና፣ ክንተኣኻኸብ ኣለና ሓይሊ ክንፈጥር ኣለና ዝብል መልእኽቲ ክተሓላለፍ ይደሊ እየ።

ውራይና፦ ካብቶም ተሓባቢርኩም ክትሰርሑ እትፍትንሎም ተቐወምቲ ውድባት ይኹኑ ውልቀ ሰባት፤ ገለገሊኦም ታሪኻዊ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እንደሃለው ምስኦም ይሓብሩ ኣለው እቶም ተጋደልትና ዝነበሩ ዝብል ይለዓል እዩ፤ እዙይ ከመይ ትሪኦ ትኸውን?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ታሪኻዊ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ መን እዩ? እዩ። ሓደ ገዛኢ ደርቢ ፀላኢ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ህዝቢ ግን ፀላኢ ኣይኮነን። እተወሰኑ ፀላእቲ ንጥቅሞም ክብሉ ከም ፀላኢ ክወስድዎ ይኽእሉ አዮ፤ ንጥቕሞም መተዓናቐፋይ ገይሮም ክወስድዎ ይኽእሉ እዮም። አዞም ደርብታት እዚኣቶምን እቲ ህዝብን ግን ፈሊኻ ክርአ ኣለዎ።

ውራይና፦ እኮ እቶም ዝበሃሉ ዘለው እኮ አቶም ተረፍ መረፍ ገዛእቲ ደርቢ ዝነበሩ እዮም፤ ምስኦም ትሓብሩ ኣለኹም ኢኹም ትበሃሉ ዘለኹም እምበር ምስ ካሊእ ህዝቢ ድኣ ታይ ሕቶ ኣድሊይዎ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦   ንሕና ምስኣቶም ኣይንሰርሕን ኣይንትሓባበርን ክንትሓባበር እውን ኣይንደሊን። ንነግሮም እውን ኢና ጌይገኦም፤ ብግልፂ እውን ንካተዖም ኢና ንኹንኖም ኢና። ንሕና ናይ ህዝቢ ምሕዝነት ግን ስለ እንደሊ ምስቲ ህዘቢ እንራኸበሉ ሰንሰለታት ክህሉ ንደሊ ኢና ነኽህሉ እውን ንፅዕር ኢና። ምስቶም ንህዝቢ ትግራይ ዘናሽው፣ ንህዝቢ ትግራይ ዘናእሱ ሓይልታት ግን ኣይንቐርቦምን ክንቀርቦም እውን ኣይንደሊን ኢና፤ ኣይንምሕሮምን ከዓ ኣብ ዘኾነ መድረኽ ንቃወሞም ኢና።

ውራይና፦ ኣብ ን ህዝቢ መሰሉ፣ ክብሩ ምስ ዝትንክፉ ቀልጢፍካ መልሲ ኣብ ምሃብ ትድንጉዩ ኢኹም አዩ?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦   ንሕና ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝለዓል ሓይሊ እንተመፂኡ ኣይንድንጉን ቀልጢፍና ኢና መልሲ እንህቦ። ብፍላይ ጉልህ ዝበለ ዕብይ ዝበለ እንተኾይኑ .. ስቕ ኢልካ ካብ ማንም ወዲኒ ፈቖዶ ፅርግያ ዝዝረብ ተራ ዘረባታት መልሲ ኣይንህቦን ንዒቕና ንገድፎ ኢና… ጉልህ ዝበሉ ግን ኣይንምሕሮምን ኢና ብእዋኑ መልሲ ንህብ ኢና። ፅሑፋትናን ዌብሳይትናን ኣቲኻ ምርኣይ የድሊ።

ውራይና፦ ኣብ ቀረባታት ተበቲኑ ኣብ ዝነበረ ሓደ ፅሑፍ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስግግር መንግስቲ የድሊ እዩ ዝብል ንስኻ ከም ዝፈረምካሉ ይገልፅ እዩ፤ ትኽክል ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ እቲ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኒሀ መንግሰቲ ናይ መንግስትነት ዓቕሚ የብሉን ኢልካ/ ኢልኩም ድዩ ናበኡ ከይድኩም?

ዶ/ኣረጋዊ፦ ንምንታይ ይመስለካ፤ መንግስቲ ማለት እኮ ህዘቢ ዝኣመነሉ ዝወከሎ ማለት እዩ እምበር ብጉልበቱ ኮፍ ዝበለ ማለት ኣይኮነን። ሚኢቲ ሚኢታዊ ተመሪፅና ኢሎም ድሕሪ ቁርብ ግዜ ግን እቲ ዝረኣናዮ ተቐውሞ መፂኡ። ብዙሕ ህዝቢ አኮ እዩ ዝቃወሞ ዘሎ፤ ስለዚ እምነት ዝረኸበ ኣይኮነን። ኣመነይታ እንድሕር ዘይብሉ ከዓ ዕግርግር እዩ ክቕፅል እምበር ዓዲ ክመርሕ ኣይኽእልን። ስለዚ ናብ ዘኸፈአ ዕግርግር ካብ እነኣቱ፤ እንድሕር ለባማት ኮይኖም ንዕኦም እውን ጥዑም ዝኸውን ምችው ዝኸውን ተፈቲኖም ዝሓልፍሉ ናይ ስግግር መንግስቲ ይመቻቾ ንሶም እውን ዘለውሉ፤ ብዚ መንገዲ አዙይ ናብ ሰላም ንኺድ ዝብል አዩ አቲ ናትና መበገሲ። ንስኻትኩም ከመይ ትሪእዎ ኣይፈልጥን።

ውራይና፦ ብወገነይ ንሽግግር መንግስቲ ዝዕድም ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ፈፂሙ የለን፣ ጌጋ እዩ እየ ዝብሎ። እቲ መረፃ 100% ተመሪፁ ዝብል ንግደፎ እሞ ብትክክል ግን ዝበዝሕ ህዝቢ መሪፅዎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተወሲድና ማለት ኣብቲ ዝበዝሕ ልዕሊ 51% ይረክብ ነይሩ እዩ፤ ኣብቲ ትሕቲ 50% ዝረኽበሉ እውን እቲ ካሊእ ድምፂ ናብ ብዙሓት ፓርቲታት ስለ ዝካፈል ዝሓሸ በዝሒ ዝረክብ ዝነበረ ኢህወደግ እዩ። እዙይ ከም ዘሎ ኮይኑ፤ ተቐባልነት የብሉን ኢልና እውን እንተተላዒልና ኣብዚ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተወዲቡ ዝቃለስ ንቲ ህዝቢ እውን ብቐረባ መዓልታዊ ምንቅስቓሱ ዝርድኦን መማረፂኡ ብቐረባ ዘቕርበሉን ድኣ እዩ ምስ ኢህወደግ ክደራደር ዘለዎ እምበር ኣብ ወፃኢ ኮይንካ መንግስቲ ስለጣን ኣካፍሉኒ ምባልስ ይጥዕም ዶ?

ዶ/ኣረጋዊ፦ ኣብዙይ ሓቅኻ ኢኻ ኣብ ወፃኢ ኮይና መማረፂ ኮይና ንኽንቀረብ ኣሸጋሪ እዩ ሪሕቕና ኢና ዘለና። ክንኣቱ ኣለና። ግን አቲ ሽግሩ እንታይ እዩ ከይንኣቱ ከልኪሎምና እዮም።

ውራይና፦ ኣነ ከም ዘለኒ ሓበሬታ ግን ንኣብነት ንሰኻ ንኽትኣቱ ከም ዝተጠየቕካ እዩ? ብሓቂ ኣይትኣቱን ኢሎምኻ ድዮም?

ዶ/ኣረጋዊ፦  ንውልቀይ ደኣ እቶ እባ ይብሉኒ። ስማዕ እንዶ! ምእታው እኮ ስቕ ኢልካ ምስኦም ተመሳሲልካ ዝበሉኻ እንዳገበርካ ሓደ ስራሕ ሂቦምኻ ምንባር እኮ ኣይኮነን። ኣረኣእያና ሒዝና ተወዲብና ንህዝቢ ክነርድእ፣ ንቲ ነሃቶም ኣተሓሳስባታት ክንቃወም ክንክእል ማለት አኮ እዩ ምእታው እንተኾይኑ፤ እምበር  ንዓይ ከም ሰብ፣ ንዓይ እንዶ እቶ በይዛኻ ድኣ ኩሉሻዕ ይብሉኒ እዙይ ደኣ። ንዓይ ግን አዙይ ኣይኮንኩን ምእታው ዝብሎ፤ ንውልቀይ ኣይኮነን ምእታው እንብሎ ንሕና። ንውልቀና ኣይኮናን ንቃለስ ዘለና እንተኣተና እውን ንዓዲ ንህዝቢ ኢና ክንቃለስ እንደሊ። ስለዚ ንህዝቢ ንዓዲ ዘኸውን መማረፂ ሓሳባት ሒዝና ክንኣቱ ኣይደለዩን፤ ፅሒፍናሎም እኮ ኢና ብተደጋጋሚ ግን ኣይፈቐዱን ነፂጎሞ።

ውራይና፦ ምስ ኢህደን/ብኣዴን ዝነበረኩም ርክብ ንስኻ ክሳብ ዝነበርካሉ ብኸመይ ኢኻ ትገልፆ?

ዶ/ኣረጋዊ፦ ያው ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ህወሓት መሳርሒ እዮም ነይሮም። መጀመርታታት ደሓን ነይሮም ከምኒ ጌታቸው ጀቤሳ(ያሬድ ጥበቡ) ዝበሉ ነይሮም ናይቲ ውድብ ነፃነት ክህሉ ኣለዎ ውሳነታት ብዓልና ክንውስን ኣለና  ኢሎም ቻለንጅ ዝገብሩ ነይሮም ግን ብዝተፈላለየ መንገዲ ነፂሎሞም ንያሬድ ጥበቡ እውን ለቒቑ ክኸድ ገይረሞ። ደሓር እኒ ታምራት ላይነ እኒ ኣዲሱ ተሪፎም አዚኦም ድማ ተኣዘዝቲ ኮይኖም መሳርሒ እዮም ኮይኖም ብፍላይ ናይ መለስ።

ውራይና፦ አቲ ሐዚ ዝነሀ ኩነታት ክፍታሕ አዩ ትብል? ብኸመይ ክፍታሕ ኣለዎ ትብል? እንታይ  መፍትሒታት ትጥቁም?

ዶ/ኣረጋዊ፦  እቲ ዋና መፍትሒ ናብ ናይ ስግግር መንግስቲ ፕሮሰስ እንተኣቲና እዩ። ካሊእ መፍትሒ ዘሎ ኣይመስለኒን። ማለት ስቕ ኢሎም አኮ ብሓይሎም ክትኣማመኑ የብሎምን። ሓይሊ እኮ ፈራሳይ እዩ ጌታቸው። ካብ ደርጊ ዝዓቢ ሓይሊ ዝነበሮ አኮ ኣይነበረን። እዚኦም እውን ስቕ ኢሎም ብሓይሊ ክንቅፅል ኢና እንተይሎም ፈረስቲ እዮም። ስቕ ኢሎም እንተፈሪሶም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክህሉ ዝኽእል ቅልውላው ብጣዕሚ ዓብዪ እዩ። ስለ ዝኾነ ከመይ ኣቢልና ድኣ ኢና ንፈትሖ ክንብል ኣለና። አዙይ ክፍታሕ ዝኽእል ሰላማዊ ናይ ዝርርብ መድረኻት ተዳልዩ፤ ኢህወደግ እውን ከምሃገሩ ምስቶም ካልኦት ውድባት ኮፍ ኢሉ፣ ኩሎም መማረፂ ኣለኒ ዝብሉ ሓይልታት ቀሪቦም እሞ እንታይ ንግበር? ከመይ ገይርና እዚ ፀገም ንፍታሓዮ እንታይ ይኹን አቲ መፍትሒ ተበሃሂሉ ምዝርራብ እንተተገይሩ ጥራይ እዩ። እንድሕር አዚኣ ዘይገይሩ እቲ ተቐውሞ ክቕፅል እዩ፤ ኢህወደግ ድማ ብሓይሊ ክቆፃፀሮ እየ ክብል እዩ እዙይ ድማ ንቲ ፀገም የጋድዶ እምበር ክንድድላዩ ሓይሊ ዋላ እንተዝህልዎ ክቆፃፀሮ ዝኽእል ኣይኸውንን።

ውራይና፦ ከም ተጋሩ መጠን ኣብዚ ሃገር እቲ ዝግበአናን ዝምጥነናን ቦታ ሒዝና ንምንባር እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና ትብል?

ዶ/ኣረጋዊ፦ ከም ተጋሩ መጠን፤ ኩሉ ትግረዋይ መጀመርያ ብዘይ ፍርሒ ብዘይ ኣጓጣጥ ክዘራረብ ክኽእል ኣለዎ። ኣብዝሃለወ ይሃሉ ዝድላዩ ኣርኣእያ ይሃልዎ ነፃ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ክህሉ ኣለዎ። ዋላ ንህወሓት እውን ሓዊስካ እንታይ ተተገበረ ይሕይሽ ዝብል ካብ ተፅዕኖ ነፃ ዝኮነ ምዝርራብ ምምይያጥ ክግበር ኣለዎ። ስለዚ ከምዙይ እንድሕር ዕድል ተኸፊቱ እንታይ ከመፅእ እዩ… ካብቲ ሐዚ ዝኒሀናዮ ከመይ ኢልና ኢና ንውፅእ ከመይ ኢልና ኢና ንቕፅል ኢልና ንዘራረብ። መፍቲሕታት ድማ ኣይሰኣንን መሊኡ እዩ። ሓደ ኢትዮጵያውነትና ንእመን ኢትዮጵያ ናትና እያ ካብ ማንም ንላዕሊ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኒሀ ስርዓት እንታይ ዓይነት ስርዓት እዩ ንዓና ይምቹ ዶ ኢልና ዲፋይን ንግበር። ኣብዚ ዘብፀሐና መንገዲ ገምጊምና ዘሎ ፀገም ዝእረመሉ መንገድታት ምዝታይ ምዝርራብ። ድሕሪኡ እቲ ዝጠቕመና ኢልና እነቅምጦን እንትልሞን ንኻሊእ ህዝቢ እውን ዝጠቅም እዩ ዝኸውን ዴሞክራስያዊ ክሳብ ዝኾነ። ፍትሓዊ ክሳብ ዝኾነ። ማንም ሰብ ዴሞክራስያዊን ፍትሓዊን መፍትሒ እዩ ዝደሊ። ስለዚ ብኸምዚ መንገዲ ናይ ትግራይ ክረኣይ ይከኣል ብኣጣቓላሊ ከዓ ናይ ኢትዮጵያ ክርኣይ ይከኣል ማለት እዩ።

ውራይና፦ ሓድነት ትግራዋይ ሰሚሩ ኣብ ዛሃገር ማዕርነታዊ ግዲኡ ከበርክት ናትኩም ኣበርክቶ ብፍላይ ናትካ ኣበርክቶ እንታይ ክንፅበ ንኽእል?

ዶ/ር ኣረጋዊ፦ ንሕና ብሓቂ ፃዕሪ ኢና ንገብር ዘለና ክሳዕ ሐዚ እውን ኮፍ ኣይበልናን። ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ናይ ግልና ጉዳይ ኣይኮናን ዘለና። ኣብ ናይ ህዘቢ ትግራይ ጉዳይ ኢና ዘለና። ናይ ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ ግን ምስቲ ካሊእ ወገና ኢትዮጵያዊ ኮይና ክንፈትሖ ኣለና ኢልና ኢና እንኣምን። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ሕምብርቲ ናይ ኢትዮጵያ እዩ። ኢትዮጵያ ትበሃል ሃገር ክትነብርን ክትህሉን ክትቅፅልን ዝገበረ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ጋሻ ኮይኑ፣ ማእገር ኮይኑ፣ በሪ ኮይኑ፣ … ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ውግኣት ዓበይቲ ዝበሃሉ ብሃገር ደረጃ  24 ውግኣት እቶም 22 ኣብ ትግራይ እዮም ተኻይዶም።  ከፊሉ እዩ ዋጋ፣ መስዋእትነት ከፊሉ እዩ ብሂወት መስዋእትነት ጥራይ እንተይኮነ ብመሬቱ ብእንስስኡ ብግዝዑ ከፊሉ እዩ። ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዪ ቦታ ክወሃቦ ዝግበኦ ህዝቢ እዩ። ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ነሃቱ እያ። ናይ በይኑ ጥራይ ግን ኣይኮነትን ናይቲ ካሊእ ኢትዮጵያዊ እውን እያ። ስለዚ ምስ ኩሉ ተመዓራርዩ ብማዕርነት ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ክነብር ይግበኦ። እቲ ንኢትዮጵያ ዝመፅእ ሽግር ንትግራይ ‘ውን ዝተርፍ እዩ፤ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመፀእ ምዕባለ ንትግራይ ‘ውን ክተርፍ ዘለዎ እዩ። አዙይ ንኽመፅእ ግን ሓቢርካ ከም ከማኻ ዝሓስቡ ዴሞክራስያዊያን ሓይሊታት ተሓባቢርካ ናይ ሓባር ሃገር ምቛም አሞ ሓቢርካ ብማዕርነት ምምዕባል ኣድላዪ እዩ።

ውራይና፦ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ግዜኻ ሰዊኻ ሰፊሕ ቓለ ምልልስ ስለ ዝሃብካኒ ብሽም መንበብቲ ካብ ልቢ የመስግን። ኣብ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ብዝገብረካዮ ዘይትካእ ተራ ድማ እሕበነልካ ብወገነይ።

ዶ/ር ኣረጋዊ፦  ኣነ እውን እዚ ዕድል ስለ ዝሃብካኒ ብጣዕሚ የመስግን። ንቕድሚት እውን እቲ መፍትሒ ናይ ህዝብና ንኹላትና ዘተኣኻኽብ መፍትሒ ኮይኑ ንክቅፅል እትገብርዎ ዘለኹም ፃዕሪ ብግልፂ ምስቲ ህዝቢ እናዘራረብኩምን እናካታዕኹምን ኣብ መወዳእታ ክተብፅሕዎ ተስፋ ይገብር፤ ካብ ናይ ሓደ ውድብ መነፅር ውፅእ ኢልኩም ናይ ካልኦት ዓድታት ተሞኩሮ እውን እናረኣኹም መፍቲሕታት ክተምፅኡ ተስፋ ይገብር። ንሓደ ውድብ ጥራይ ተኣማኒ ምዃን ዘላቂ መፍትሒ ኣየምፅእን። እቲ ሓደ ሽግር ንቲ ውድብ ዘለኣለም ተኣማኒ ክትኮን ምድላይ እዩ (ንስኻ ከምኡ ኢኻ ማለት ኣይኮነ)ን ብዙሓት ኣሕዋትና ምስቲ ቃልሲ ስለ ዝተኣሳሰሩ ተኣመናይነት ንቲ ውድብ የርእዩ እዮም። ግን ውድብ መሳርሒ እዩ እምበር ውድብ ባዕሉ ምግብን ክዳንን ፍትሕን ኮይኑ ኣይነብርን። መሳርሒ እዩ (ቱል እዩ) ውድብ ማለት፤ ካብኡ አቲ መሳርሒ እቱይ እንድሕር ጎቱሙ ክትስሕሎ ኣለካ፤ እንድሕር ተሰይሩ ክትፅግኖ ኣለካ፤ ክፅገን ዘይኽእል ፈርሸኽሸኽ ዝብል እንተኾይኑ ንዕኡ ደርቢኻ ካሊእ መሳርሒ ክትሕዝ ኣለካ እምበር ቀደም ፅቡቕ ነይሩ ኢልካ ምስኡ ተጣቢቕካ ክትነብር የብልካን። ስለዚ አቲ ነገራት ዲያለክቲካሊ ሕሰብዎ እምበሪ ሎያሊቲ ኣይኮነን፤ ፖለቲካ ናይ ሎያሊቲ ኣይኮነን። ኣቦኻን ኣደይኻን ስጋኻ ስለ ዝኾኑ ሎያል ተኸውን ኢኻ፤ ውድብ ግን ረብሓኻ ከረጋግፀልካ እትጥቀመሉ መሳርሒ ስለ ዘኮነ ረብሓኻ ክሳብ ዘረጋገፀ ኢኻ ሎያል እትኾነሉ። እሞ ብወገነይ ዝዓቕመይ ክውፈ ድልው እየ፤  ንዓይ እውን ምስ ህዝበይ ክራኸብ ሰለ ዝገበርካኒ ብጣዕሚ የቐንየለይ።  ክብረት ይሃበለይ።