መ/ጀ ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ጀቤ)
ኢትዮጵያ ኣብዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብዚ ሰላም ዘይዓሰሎ ምብራቕ ኣፍሪካ ንባዕላ ሰላም ኣረጋጊፃ ንኻልኦት እውን መርኣያ ኮይና እያ። እሰዬው እዩ ዘብል፤ እዙይ ውፂኢት ቃልሲ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ዝተማለአ ዴሞክራስያዊ ሕገመንግስቲ ኣፅዲቖም ብምትግባሮም እዩ። መሰል ብሄረ፣ ብሄረሰብ፣ ህብታትን ውልቀን ኣጣሚሩ ብዝተማለአ መንገዲ ዘኽብር ሕገ መንግስቲ ብዝተወሰነ መልክዑ እውን እንተኾነ ከተግብሩ ስለ ዝጀመሩ እዩ። ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ልምዓት ብምምፃእ ብተነፃፃሪ ቅልጣፈ ድኽነት ብምንካይ አዩ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ሒዞም ዘለው።


እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ተግባር እንትውዕል ዝሓሸ ሰላምን ምርግጋእን ይህሉ፤ ንቲ ሕገ መንግስቲ ዝሸራርፍ ነገር እንተጋጥም ድማ ብዝተፈላለየ ብርኪ ዝግለፅ ምስኣን ሰላም ይርአ ኣሎ። ሰላምና ክዝረግ ካብ ዝገብሩ ነገራት ስእነት ዴሞክራሲ፣ ተሓታትነት ዘይምህላው፣ ላዕለዋይነት ሕጊ ዘይምርግጋፅ፣ ስልጣን ንውልቀ ረብሓኻ ምውዓል፣ ግዕዝይና ምስፍሕፋሕን ፍትሒ ምጉዳልን ዝበሉ ምጥቃስ ይከኣል፤ ብሓፈሻ ሕገ መንግስትና እንትትግበር ሰላም ከም ዘምፀአልና ኩሉ፤ እንትሸራረፍ ድማ ሰላምና ይዝረግ ኣሎ ኢልካ ዝግለፅ እዩ።
ሰብኣዊን ዴሞክራስያዊን መሰላት ስለ ዘይተኸበሩ እዩ። ዴሞክራስያዊ ትካላት ብቲ ስርዓት ዘቐመጦ ግቡኦም ዘይፍፅሙ ስለ ዘለው እዩ። ሰላም ሃልዩ ስሉጥ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ዕብየት ብምምፅኡ ስዒቦም ዝማዕበሉ ሕቶታትን ጠለባትን ክምልስ ዝኽእል ፖለቲካዊ ስርዓት ንድሕሪት ብምትራፉ፣ ምስቶም ጠለባት ወይ ካብኦም ቀዲሙ ብዘይምስጓሙ እዩ ሰላምን ምርግጋእን ዝጠፍእ ዘሎ። እቲ ነባር ኣመራርሓ ንቲ ሓዱሽ ትውልዲ ዘልዕሎ ሕቶ ዝምጥን መልሲን ፖለቲካዊ መፍትሕን ከቕርብ ስለ ዝተሰኣኖ እዩ ቅርሕንቲ ተፋጢጡ ዘሎ።
ውሽጣዊ ድኽመታትና ዝወለዶ ህውከት እንትጎሃሃር፤ ፅንፈኛታት ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእትና ተሓባቢሮም ሕቶ ህዝቢ ናብ ዘየድሊ ዓመፅን መዕነዊ ተግባርን ይወስድዎ ኣለው። በዙይ ድማ ፀላእትና “ግዚኡ ሐዚ እዩ” ኢሎም ብምቅፅፃል ብዙሕ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፣ ብዙሕ ንብረት በሪሱ፣ ብርክት ዝበሉ ትካላት ልምዓት ነዲዶም። ኣብ 25 ዓመት ዝሃነፅናዮም ትካላት ንዝልዓሉ ፖለቲካዊ ሕቶታት ብኣግባቡ ክምልሱ ስለዘይከኣሉን ብሰለማዊ መንገዲ ምኻድ ኣብዩና ስለ ዝተሰዓርና ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጅና ንርከብ። ንዓይ አዙይ ስዕረት አዩ። ካብዚ ስዕረት አዙይ ከመይ ኢልና ንወፅእ ዝብል መፍትሒ ምድላይ ድማ ካብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ይሕሎ።

ህፁፅ ጊዜ አዋጅ (State of Emergency)
ፕሮፌሰር ግሮስ ን አይለን ን (2006፡ 37-38) ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ (state of emergency) ብዝምልከት ከምዚ ይብሉ፦
The term “emergency” is, by its nature, an “elastic concept which may defy precise definition. As the international law association suggested: “It is neither desirable nor possible to stipulate in abstract to what particular type or types of events will automatically constitute a public emergency within the meaning of the term; each case has to be judged; on its own merits taking into account the overriding concern for the continuance of democratic society.”

እቲ ናይ ቃላት ትርጉምን ምስናይን ኣብቲ ሕገ መንግስቲ article 93, Declaration of state of emergency, ምሰ ዘሎ ብመንፅር ስነ ፅሑፍ ብፍላይ ‹‹ህፁፅ ጊዜ››ን emergency ን ዝብሉ ቃላት ምስናዮም ንሰብ ሞያ ገዲፈ፤ ኣብ ዓይነት፣ ተፈጥሮ፣ ዕላማን ውፅኢትን ህፁፅ ጊዜ አዋጃት/ደንብታት ርኢቶ ምሃብ ኣገዳሲ ይመስለኒ፡፡
2. ዓይነታት ህፁፅ ጊዜ (emergency)
ኣብ ክልተ መሰረታዊ ዓይነታት ከፊልካ ምርኣይ ይከኣል። 1) ብማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን፤ 2) ብፖለቲካን ወታደራዊን ኩነት ምኽንያት ዝእወጁ ኣዋጃት፦
1) ማሕበረ-ኢኮኖሚ እንትንብል ብዋናነት ብተፈጥሮ ወይ ሰብ ሰራሕ ሓደጋ ኣብ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ዝበፅሕ ቀውሲ ማለት እዩ፡፡ እዚ ድማ ልዑል ናይ መሬት ምንቅጥቃጥ፣ ውሕጅን ማዕበልን፣ ሓደገኛ ድርቂ፣ ሕማም ወይ ኢኮኖሚያዊ ዘይምርግጋዕ ዝፈጥርዎም ቅልውላዋት ብሓፂር ንምፍታሕ ዝድንገጉ ኣዋጃት እዮም፡፡ ከምዚ ዝበለ ቅልውላው ንምዕጋት ሓይሊሰብን ሃፍቲ ተፈጥሮን ሃገር ሞቢላይዝ ብምግባር ብዘይ ምንም ዕንቅፋትን ግዜ ገደብን መፍትሒ ንምምፃእ እንትድለ ዴሞክራሲያዊ መሰላት ምግዳብን ብተወሰነ ደረጃ ሓይሊ ምጥቃምን ዘፍቅዱ ኩነታት እዮም፡፡
2) እቲ ካልኣይ ፖለቲካዊ-ወታደራዊ ዝበሃል ኮይኑ ንሓይሊ ዝጥቀም ብሓይሊ ንምምካት ዘፍቅድ፤ መጠኑ ግን ከከም ደረጅኡ ዝፈላለ ይኸውን። ዋና መፍትሒ ሓይሊ ኮይኑ ግን ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ስራሕ እውን ዝሓትት፤ ብቲ ካሊእ ገፅ ድማ ዋና መፍትሒ ፖለቲካዊ ኮይኑ ሓይሊ እውን ዝውሰኾ ይኸውን። ንኣብነት ምውራር ሃገር ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ብዋናነት ግን መፍቲሕኡ ወታደራዊ እዩ። መፈንቅለ መንግስቲ እውን ብተመሳሳሊ ክርአ ይኽእል፡፡

ውሽጣዊ ዓመፃት ወይ ኩናት ሕድሕድ ግን ወታደራዊ መልክዕ ዋላ እንተሃለዎ ዋና መፍቲሕኡ ፖለቲካዊ እዩ። መበገሲኡ ‘ውን መፍትሒኡ ‘ውን ፖለቲካዊ እዩ። ኣብ ሞንጎ ህዝቢን መንግስትን ብዝህሉ ናይ መሰልን ግቡኡን ብዝተማለአ ዘይምትግባር ዝኽሰት እዩ። ብጌዜ ሃፀይ ኃይለስላሴን ብደርግን ዝነበረ ዓመፃት ብዋናነት መሰል ዓርሰ ውሳነ ይረጋገፀልና ካብ ዝብል ናይ ህዝቢ ሕቶ ዝብገስ እዩ። እቶም ገዛእቲ ድማ ንዚ ሕቶ ዝሃብዎ መልሲ በትሪ ብምንባሩ እዩ እቲ ዓመፃትን ኩናት ሕድሕድን ተጎሃሂሩ ዝቐፀለ እሞ መወዳእትኡ ድማ ዝተዓወተ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተለዓለ ቅልውላው እውን መበገሲኡ ሕቶ ዴሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝፈጠሮ ምንቅስቓስ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ገዛኢ ፓርቲ በቢደረጅኡ ዝገብሮ ሰላማዊ ቃልሲ እናፀበበ ብምምፅኡ፤ መንግስታዊ ትካላት ንቶም ዝልዓሉ ሕቶታት ዝምጥን መፍትሒ ብእዋኑ ስለዘይሃቡ፤ ናይ መንኣሰይ ባህርያዊ ዝኾነ ሽኩልነትን ናህርን ተወሲኽዎ፤ ፅንፈኛታትን ናይ ደገ ፀላእትናን ብደንቢ ተጠቒሞሙሉን ኣቀፃፂለሞን ዝተኻየደ እዩ። መበገሲኡ ፖለቲካዊ ኮይኑ ሓይሊ ስለ ዝተወሰኾ ንቲ ሓይሊ ብሓይሊ መኪትካ ዋና መፍትሒኡ ግን ፖለቲካዊ መፍትሒ እዩ።
3. ተፈጥሮ ህፁፅ ጊዜ አዋጅ
ግሮስ ን አሌን ን (2006፡34) ‹‹emergencies have been conceptualized as aberrations, rare and uninteresting exceptions to the otherwise ordinary state of affairs›› ይብልዎ፡፡ እዚ ዴሞክራስያዊ ስርዓታት ብዝምልከት እዩ፡፡
ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓታት ኣብ ሞንጎ ‹‹ብሄራዊ ድሕንነትን ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ህዝብን ቀፃሊ ቅርሕንቲ (tension) ምህላው ግድን ይብል፡፡ ዓመፅን ቅልውላውን ንዞም መሰረታዊ መሰላት ዝፃረሩ ብምኳኖም እቲ ስርዓት ባዕሉ ክከላኸል ግድን ይብሎ፡፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ንባዕሉ ካብ ጥፍኣት ንምክልኻል ክውደብ ኣለዎ። ናይ ሕገ መንግስትና ዓንቀፅ 93 ንባዕሉ ብሓይሉ ከጥፍእዎ ንዝብህጉ ንምክልኻል ዝተቐመጠ እዩ፡፡ ሰብኣዊን ዴሞክራስያዊን መሰላት ህዝቢ ንምሕላው ንሓፂርን ንዝተወሰነ ግዜን ዋላ እንተኾነ ዴሞክራስያዊ መሰላት ብዝተየወሰነ ድማ ሰብኣዊ መሰላት ይግድብ እዩ። what an irony?
ምልካዊ ንዝኾኑ ስርዓታት ግን ከምዚ ናይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዝበለ ኩነታት ከም ኩሉ ግዜ ዝነብሩ መደበኛ ዝውሰዱ እዮም። ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ኣብ ዘየረጋግፅ ሃገር ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኩሉ ግዜ ከም ዘሎ ተገይሩ ይውሰድ።
ሰብኣዊ መሰላት ዝረጋገፁ ዴሞክራስያዊ መሰላት እንትረጋገፁ እዩ። ህዝብታት ሰብኣዊ መሰላቶም ዘረጋግፁ ዴሞክራስያዊ መሰሎም ተጠቒሞም ብዝገብርዎ ቃልሲ እዩ። ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ውህብቶ እንተኾይኑ ግን ዘላቕነት ዘይብሉን ኣቦኣዊን (paternalistic) እዩ ዝኸውን። ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝእወጅ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ብሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ መንፈስን ዝወፅእ ኣዋጅ ስለ ዝኾነ ልክዕ ከም፤ ‹‹ዉሉድካ ዓርሱ ብሽጉጥ ከጥፍእ እንትብል እታ ሽጉጥ ክተሕድጎ ክትትገታገት ኢዱ ብጥይት ከም ምውቃዕ እዩ ዝርአ›› ማለት ይቖስል የቐንዝዎን አሞ ንዕኡ ዝሕክም ምድላው እንተዘይገይርካሉ ደም ፈሲስዎ እውን ክሞተካ ይኽእል፤ ወይ ‘ውን ኢዱ ዘይኮነስ ልቡ ወይ ርእሱ ወቒዑ ክመውት ይኽእል። ብተመሳሳሊ መንገዲ ህፁፅ ጊዜ አዋጅ ስርዓትን መሰል ህዝብን ንምሕላው ክብል ዘቑሰሎ፣ ዘሕመሞ ዝሕክም ምድላው እንተዘይተገይሩ ወይ ዝውሰድ ስጉምቲ ተመጣጣኒ እንተዘይኮይኑ፤ ስርዓትን መሰል ህዝብን ምሕላው ምዃኑ ተሪፉ ‹‹የቆጡን አወርድልህ ብላ የብብቷን ጣለች›› ከም ዝብልዎ ኣምሓርኛ ተዛረብቲ ክኾን ይኽእል፡፡ ፀረ-ዴሞክራሲ ክነግስ ይኽእል። ዕላማ እቲ ኣዋጅ ኩነታት ምርግጋእ ክኾን ግድን ይብል፡፡ ብሰላማዊን ሕጋዊን መንገዲ ፀገማትና ክንፈትሕ ስለ ዘይከኣልና ዝመፀ ናይ ስንፍናና ውፅኢት እዩ፡፡
4. ቀፃሊ ዕላማታት እቲ ኣዋጅ
እዚ ኣዋጅ ሃልሃልታ እዩ ከጥፍእ እምበር ንቲ ሓዊ ኣየጥፈኦን። ምንጪ እቲ ፀገምን መፍትሒኡን ፖለቲካዊ እዩ እንትንብል እቲ ዝተፈጠረ ቅልውላው ናይቲ ሓዊ ሃልሃልታ ምዃኑ ተገንዚብና ንቲ ረመፅ ዘጥፈኦ ወይ ከይቀፃፀል ዝገብሮ ሕገ መንግስቲ ተግባራዊ ምግባር ምዃኑ ብምእማን እዩ።
ዕላማ እዚ ኣዋጅ እቲ ሃልሃልታ ከየቃፅለና ምክልኻልን ብኡ ኣቢልካ ድማ ዘላቕን መሰረታዊን መፍትሒ ንምምፃእ እምበር ካብዚ ንላዕሊ ደው ዝብል ዕላማ ክህልዎ ኣይኽእልን። ግዝያዊ መፍትሒ ከም ምዃኑ መጠን ድማ፦
1. ዋና ተዋሳኢ ናይቲ ቅልውላው ዝኾነ መንእሰይ፤ ዓመፅ ምልዕዓል ወይ ምድጋፍ ወይ’ውን ኣብኡ ምእታው ስሕተት ምኳኑ ዝኣምነሉ ከይዲ ምፍጣር ክኾን ኣለዎ። ንፅንፈኛታትን ናይ ደገ ፀላእቲን ግቡእን መምሀሪን ስጉምቲ ወሲድካ ብዋናነት ግን ምስቲ መንእሰይ ምርድዳእን ምትእምማንን ፈጢርካ እቲ ኣዋጅ እንትለዓል ህዝቢ እፎይ ኢሉ ናብ ስርሑን ልምዓቱን ዝኣትወሉ ኩነታት ምፍጣር የድሊ። ዝበዝሕ መንእሰይ ምጥቃዕቲ በፂሑኒ እዩ ኢሉ እንተኣሚኑን ቂም እንተቛፂሩን ግን እቲ ኣዋጅ ዕላምኡ ኣየዕውትን ዘሎ ማለት እዩ።
2. ኣብ ብሄርን ብሄረሰባትን ዝርአ ዘሎ ምልክት ምጥርጣር ዝንኪ ኢሉ ‘ውን ዘውግድ ክኸውን ኣለዎ። እንቋዕ እዚ ኣዋጅ መፀልና ዝብሉ ከም ዘለው ኩሉ ንምንታይ መፀ ዝበሉ ከይህልው ካብ መጀመርትኡ ከከም ከባቢኡን ኩነታቱን እናተረኣየ ዝበዝሕ እንቋዕ መፀልና ዝብል ክኾን ክግበር ኣለዎ።
እቶም እንቋዕ መፀሊና ዝብሉ ንግዜ እቲ ኣዋጅ abuse ከይገብርዎ እውን ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ። ህዝቢ ዝላዓለ ግደን ተሳትፎን ክህልዎ ምግባር እውን ኣገዳሲ ይመስለኒ።
3. ኣፈፃፅምኡ ምእኹልነት ዘለዎ ብምዃኑ ምስ ፌደራሊዝም ዝጓነፅ አዩ። ልክዕ ከምቲ ንዴሞክራስያዊ ስርዓት ብዘይ ዴሞክራስያዊ መንገዲ ንክከላኸል ዘጋጥሞ ዘሎ ምጉናፅ(tension) ማለት እዩ። ዕላማ እቲ ኣዋጅ ጎኒ ንጎኒ ምስቲ ምስፋን ሰላም መሰል ብሄርን ብሄረሰባትን እውን ብምሕላው እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ተጠናኺሩ ክቕፅል ክገብር ይግበኦ።
ሕገ መንግስቲ፤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዘጣይሾ 7 ኣባላት ዘለውዎ መርማሪ ቦርድ ክህሉ ዝፈቅድ ዋላ እንተኾነ፤ ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ግን ኣብቲ ፀገም ዘለዎ ቦታ ዘለው ህዝብታት ከም ቁልፊ ፈታሕቲ እቲ ፀገም ገይርካ ክውሰዱ ኣለዎም። በቢ ደረጅኡ ዘለው ኣብያተ ምኽሪ፣ ሰብ ሞያ ሕጊ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ብቲ ህዝቢ ተቐባልነትን ተኣማንነትን ዘለወዎም ውልቀሰባት ወዘተ ኣፈታትሓ አቲ ፀገም ዘየድሊ ቂም ገዲፉ ከይሓልፍ፤ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዘሎ ርክብ ብምጥንኻር ፌደራላዊ ስርዓትና ውሕስና ክረክብ ዝለዓለ ግደ ከብርክት ኣለዎ።
5. ኪራይ ኣካብነትን ህፁፅ ጊዜ አዋጅን
ኣብ ላዕሊ ተደጋጊሙ ከም ዝተገለፀ ፕሮፌሰር ግሮስን ኦሌን (2006፡71) Democracy must assume autocratic methods to servive and to ensure its preservation. አውቶክራቲክ (ዴሞክራሲያዊ ዘይኮነ ኣካይዳ) ግድን እንተበለ እውን ንቕዲሚት ብዝህልዎ ፅልዋ ብዝግባእ እንተዘይተራእዩ ሓደጋኛ ክኾን ይኽእል እዩ። ኪራይ ኣካብቲ አውቶክራቲክ ኣካይዳ ይደልይዎ እዮም፡፡ መሕብኢኦም ስለ ዝኾነ፡፡ ብኻሊእ መንገዲ ድማ አውቶክራቲክ ኣካይዳ ኪራይ ኣካብነት ክሰፍሕን ክዓሙቕን ቀፃልነት ክህልዎን ዝተመቻቸወ ኩነታት ዝፈጥር እዩ። ይመጋገቡ እዮም።
ስለዚ ብመንግስቲ ደረጃ ዝግበር ፀረ-ኪራይ ኣካብነት ቃልሲ ዝተፈለየ(dimension)ን ዕምቆት ዘለዎ ምዃኑን ተገንዚብካ ምቅላስ የድሊ። እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣድላዪ እኳ እንተኾነ ክራይ ኣካብነት ግን መንገዱ ከስሕቶ ይኽእል እዩ። እዚ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ፕሮፌሰር ግሮስን ኦሌን ን (2006፡57) ከምዙይ ይገልፅዎ፡
Machiavelli is clearly aware of the significance of this for he cautions that where people are willing to confer unlimited powers on the government for an unspecified duration, they would not be saved the fate of tyranny merely because they themselves were not corrupt in character, for ‘‘absolute authority corrupts the matter in a very short time and makes friends and partisans for itself.’’35 Interestingly, whereas Lord Acton’s famous parable regarding power and absolute power focuses on the wielders of power, i.e., the rulers, Machiavelli refers in this context to the people rather than the government.
እዚ ኣበሃህላ አውቶክራቲክ ኣካይዳ ልክዑ እንተሓሊፉ ክራይ ኣካብነት ክሰፍሕን ካብ ቁፅፅር ወፃእ ክገብሮን ይኽእል ንምባል አዩ። መንግስቲ ክራይ ኣካብነት ሕማመይ አዩ እሞ ክቃለሶ ኣለኒ ኢሉ ምድላው ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፤ ኩነታት ኣገዲዱ እዚ ኣዋጅ ተኣዊጁ፡፡ ክራይ ኣካቢነት ኣሽንኳይ ዶ ኣብ እዋን ህፁፅ ጊዜ አዋጅ ዝተማለአ ዴሞክራሲያዊ ሃውህው ኣብ ዘለሉ እኳ ዓንቃፋይነቱ ዝለዓለ እዩ። ክራይ ኣካብነት ክሰዓር ዝኽእል ዴሞክራሲያዊ ምህዳር ብምስፋሕ እዩ። ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዴሞክራሲያዊ መሰላት ይነፍግ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ድማ ክራይ ኣካብነት ብዝተማለአ መልክዑ ምቅላስ ኣይከኣልን፡፡ ክራይ ኣከብቲ ንክስዕሩ ዝተመቻቸወ ኩነታት ይፈጥር እዩ።
መንግስታዊ ስልጣን ንውልቀ ረብሓኻ ናይ ምውዓል ዝንባለ ክሳብ ጣብያ ዝወርድ እዩ። ክራይ ኣከብቲ ግዜና ሐዚ እዩ ኢሎም ውልቃዊ ረብሐኦም ንምምላእ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ክነጥፉ ይኽእሉ፤ ቂም በቀል፣ ምፍርራሕ ወ.ዘ.ተ መሳሪሕኦም ይገብርዎ። ህዝቢ ተበዲለ ኢሉ ከይዛረብ ዘየለ ቅፅዓት ከውርድሉ ይኽእሉ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ክራይ ኣካብነት መማረፂ እንዳሰፍሐ ይኸይድ።
ብሓፈሻ መንግስቲ ዋና ፀገመይ ክራይ ኣካብነት አዩ ኢሉ ኣብ ዝበለሉ እዋን ቅልውላው ተፈጢሩ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ጊዜ አዋጅ ክትመሓደር ምግባር ንቃልሲ ፀረ-ክራይ ኣካብነት ሚሒር ክሓላልኾን ከናውሖን ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ እዩ፡፡ ካብ ላዕሊ ጀሚሩ ክሳብ ጣብያ vested interest ዘለዎም ክራይ ኣከብቲ ዝሓሸ ግዜ መፂኡልና ኢሎም ከበሮ ሓምሓሞም ክዘብጡ ይኽእሉ እዮም።

6. ኣገዳስነት ሲቪል/ፖለቲካዊ ቁፅፅር ኣብ እዋን ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ
ኣብ ዝማዕበሉ ዓድታት ቅልቅላው ይሃሉ ኣይሃሉ ሲቪል/ፖለቲካዊ ቁፅፅር ንቲ ዴሞክራሲ ስርዓት መኸታ እዩ። ኣብ ምዕባይ ንዘለው ‘ውን ወሳኒ እዩ። ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ገና ዘይደልደሉ ብምዃኖምን ንቕሓተ ሕሊና ማሕበረሰብ ዘይማዕበለን ትካለት እውን ዘይደልደሉ ብምዃኖምን ንባዕሉ ምክልኻል ስለ ዝፅገም እዩ።
ብሓፈሽኡ እንትርአ ኣብ እዋን ህፁፅ ጊዜ ¬separation of powers ዝዳኸመሉ፣ ፈፃሚ ስራሕ ናይ መሪሕነት ተርኡ ስለ ዝወስድ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ ናይ ምቁፅፃር ዝንባለ ይህሉ።፡፡ ይኹን እምበር ሕገ-መንግስቲ ኢፌዴሪ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ብመሰረት ዓንቀፅ 93፣ ፈፃሚ ስራሕ ዝሓገጎ አዋጅ ንክስዕር ስልጣን ሂብዎ እዩ፡፡ ኣብዚ ዓንቀፅ ንኡሳን ዓንቀፃት 5ን 6ን ብዝእዝዝዎ መሰረት ህፁፅ ጊዜ አዋጅ መፈፀሚ መርማሪ ቦርድ ብምጥያሽ ንቲ ከይዲ ዝከታተለሉ ኩነታት ፈጢሩ እዩ፡፡ ቤት ምኽሪ ንቲ ኣዋጅ ብምፅዳቕ ወይ ብምስዓር፣ ብቕዓቶም ዘረጋገፁ አባላት ንመርማሪ ቦርድ ብምምዳብ ቀፃልነት ዘለዎ ድጋፍን ክትትልን ብምግባር እቲ አዋጅ ካብ ዝድለዮ ንላዕሊ ንከይቕፅል ብምውሳን ንሕገ-መንግስቲ፣ ንሕልንኡን ንህዝብን ጥራይ ንኸገልግል ብፍሉይ ኩነታት ፍሉይ ዕድል ዝረኸበ ይመስለኒ።
ኣብ እዋን ቅልውላው panic, ፍርሒ፣ ፅልኢ፣ ስሚዒታዊነት ዝዕብልል ዋላ እንተኾነ እቲ ዋና ፀገም ግን መራሕቲ ሃገር ዝገጥማ ዘሎ ቅልውላው ብትኽክል ኣብ ምግምጋም እዩ። ወይ ንቲ ቅልውላው ኣንኢሶም ይሪእዎ እሞ ክሰፍሕን ሓደጋኛ ክኸውንን ይኽእል። ወይ ድማ ብጣዕሚ ኣጋኒኖም ብምግምጋም አልያም አውቶክራቲክ ኣካይዳ ንኽጥንከርን ግዚኡ ክነውሕን ብምግባር ዝበኣሰ ሓደጋ ክፈጥሩ ይኽእሉ፡፡ ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ ሓፂር ግዜ ክውዳእ ምግባር ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ። እዙይ ንምግባር በቢግዚኡ እናገምገምካ ቅልጡፍ ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ።
መበገሲ ናይቲ ቅልውላው ፖለቲካዊ እዩ። መሰረታዊ መፍቲሕኡ እውን ፖለቲካዊ እዩ፡፡ ብመንፅር እዚ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ይኹን ንሱ ዝወከሎ ኮማንድ ፖስት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ፖለቲካዊ ቁፅፅሩ ከሕይል ኣለዎ፤ ህፁፅ ጊዜ አዋጅ abuse እንተተገይሩ ጉድኣቱ ዓብዪ ስለ ዝኾን፡፡
O r e n Gross and Fionnuala NI Aoláin (2006), Law in Times of Crisis Emergency powers in theory and practice, Cambridge studies in international and comparative law.