ጉዕሽ ወዲ ኣንከረ

እንተዘይንፅሕፍ ክንደይ ደስ ምበሎም። እንተዘይንዛረብ’ውን ደስ ምበሎም። እታ ዘላ ከምዘላ ክትቅፅል ደስ ይብላቶም። ዘረባን ፅሑፍን ከም ጦር ዝፈርሑ ሰበስልጣን ተፈጢሮም። እንተተዛሪብናን አንተፅሒፍናን፤ ነታ መጎድእ  ቁስሊ ዝኾነት ሰልጣኖም  ግራጭ ከምእንሰደላ ስለዝፈርሑ፤ ሰብ ስቕ ንኽብል ዝሃቡ ሂቦም ይጥብርዎ።  ዘመነ ዕዝምዝም፤ ዘመነ ድንዛዘ፤ ዘመነ ኣፍ ኣፍ ልጓም ክምስርቱ ዘይፈንቀልዎ ጉዕር የለን። ንሕና ግን ሰብ ደቂ ሰብ ኢና’ሞ ከይፀሓፍናን ከይተዛረብናን ክንድቅስ  ዘበት ኣይንኽእልን። ሓደ ክስጉም ብርኩ ሒዙ  እቲ ሓደ  ድማ ክቕይድ ምራን ቀደም ሒዙ ኣብ ቀራና መንገዲ ዝተፋጠጡሉ ዘመን።  መን ከምዝስዕር ጊዜ ሓያል ዳይና ክፈርድ እዩ። ስለዚ  ክንፅሕፍ ኢና።  

እቲ ቀደም ከም ሎሚ ከይኮነ  እዛ  ደገለ ብዝተባህለ ፃህያይ ዝተደፍነት ዝተጨውየት ህወሓት ዕድለኛ እናሃለወት እሕሕ እንተበለት ምሉእ ትግራይ ተስምዕ፤ ሕንጥሸ እንተበለት ምሉእ ዓዲ ተናዑ ነበረት። ጉባኤ ኣካይዳ እንተተባሂሉ ሓፋሽ ኣብዘዘለዎ ደው ኢሉ ብመንፈስ ኣብ አዳራሽ ምስኣ ይርከብ። መን ታይ በለ ክሰምዕ ብኣፃብፅቱ ደው ይብል።  ውሳነታታ ክሰምዕ ይህንጦ። እዙይ ታሪኽ ኣይኮነን። ክሳብ መበል 12 ጉባኤ ቀፂሉ። መበል 12  ጉባኤ እንትሳለጥ ሎሚስ በቃ  መገጣጥም ለውጢ ክገብርዋ እዮም  ከምኣ ኢሎም ክቕፅሉ ከምዘይኽእሉ መቸም “ለባማት” እዮም’ሞ  ኣይገብርዋን ኢሉ ሓፋሽ ትንፋሱ ክሳብ ዝውተፍ፤ ልቡ ካብ ደረቱ  ዘሊላ ክትወፅእ ክሳብ ትብል ሰማይ ደጊፉ ኣብ ኣዳራሽ ብመንፈስ ምስኦም ቀንዩ። ኣብ መበል 12 ጉባኤ ግን ሓደ በዓል ኣንከረ ቀሺ 40 ደቓይቕ፤ ደርሆ ሼጥና ፍትሒ ንዕድግ ኣለና። ንእንኮ ፍትሒ ተቓሊስና፤ ንሳ ስኢንናያ። ዝተጋደለ ተቐቢሩ፤ ኣብ ሃምበሃምቦ ተፀጊዑ ዘመነ ምግዳል ዘሕለፋ ተበላፂ  ጊዜ ወፂኣትሉ፤ ዝተቓለስናሎም ዕላማታት ንዕዳጋ ወሪዶም ዓይንና እናረአየ ተሸይጦም፤ ስድራ  ስውኣት ግልፅ ኢሉ ዝርእዮም ተሳኢኑ  ኣብ መረበቶም ኣይርእዩ ኣይሰምዑ  ገርንዮም ተሪፎም ወዘተ ኢሎም ተባሂሉ። ካብኡ ሓሊፉ  ምንም የለን። ወይከ። ኣመል ሓለፍቲ ሎምዘበን ዝፈልጥ ሓፋሽ እዞም ከምዚ ዝበሉ ቀሺ ነዊሕ ተዝታ ኣይክህልዎምን ኢሉ ፈሪሑ። ዝተዛረበ ዘይፍተወሉ ዓዲ ኣቲና፤ ሓቂ ከም መሸንቁቖ ዝፈርሑ ገዛእቲ ርኢና፤ ብቂምን ሕርቅምቅምን እምበር ብፖለቲካ ዘይመርሑ፤ ፈራሓት፤ ዝብፅብፁ’ምበር ሕንፃፅ ዘይሕንፅፁ፤ ዝዛረቡ ‘ምበር ዘይሰምዑ ዘየንብቡ መራሕቲ ንመርኣይ በቒዕና።  ምቕናይ እዙይ’ውን ንምርኣይ!

እዚ ኹሉ ተዘሪቡ እንተብቅዕ  ሎሚስ መስምዒ እዝኖም ተኸፊታ ክትከውን እያ ተባሂሉ ወዮ እቲ ተስፋ ዘይቀበፀ ሓፋሽ ተፀብዩ። ግን ምንም። ተፀበ እንተተባህለ፤ ዓሚ ሓጋይ ዙርያ መለሽ ትግራይ ዘካተተ ዋዕላ “ሰናይ ምሕደራ” ተፀዊዑ። እዙይ እቶም ዓብይ ባዕሎም እቶም ርእሰ ምመሕዳር ክመርሕዎ እዮም ምስተባህለ፤ እቲ ለውጢ ከይመፀ አይህርሰን ዝበለ ሓፋሽ ሕዚውን መንፈሱ አኻኺቡ  ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ሰሙን መመላእታ ምስቶም እኩባት ተኣኪቡ። ካብዚ ዋዕላ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ቁምነገር ክትነጥር ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣላ፤ ኮር ተገምጠል፤ ቀሪብኩም ኣመሓድሩና ንዝበለ

ለኣከ መኮነን ተስፋይ

  እስቲ ቑሊሕ ንበል

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.     

ከስታናይን ኣስላማይን፣ ኣንስታይን ተባዕታይን፣ ንእሽተይን ዓብዪን፣ ደቂ ቐደምን ደቂ ሎምን፣ ህልውን ምዉትን እንተይተፋላለኻ ታብ ኣሞራታት ክሳብ ሳሞራታት፣ ታብ ማርታታት ክሳብ ኣግኣዚታት፣ ታብ ስየታት ክሳብ መለሳት፣ ታብ ንግስተ ሳባታት ክሳብ ቀሺ ገብሩታት፣ ታብ ኣሉላታት ክሳብ ሰዓረታት፣ ታብ ማንጁሳት ክሳብ ኣቦይ ስብሓታት፣ ታብ ሓጎስ መሬት ፀበቦታት ሱባጋድሳት ክሳብ ብላታ ሃይለማርያማት፣ ታብ ኣረጋዊታት ግደያት ክሳብ ኣረጋሻት ገብሩታት ኣብርሃታት ኩልኻ ህዝቢ ትግራይ ሓደ እንተይወሓደ ታብ ጫፍ መሬት ክሳብ ጫፍ መሬት ዘለኻ ተከዘን መረብን፣ ቀይሕ ባሕርን ህንዲ ውቅያኖስን፣ ሸንቋሕ እምባን ሰጣሕ መይዳን ዘይዓግቶ ሰላምታይ ይብፃሕኻ፡፡

እዛ ፅሕፍቲ እምባኣርስከ ለማቕነ ካብ ዝተሰምዓኒ ጓህን እህህታን ተበጊሰ ነቲ ኩሉሻዕ እትፈልጦን እትሓስበሉን ውራይ መንነትካን ታሪኽካን ኣመልኪተ ሓዱሽ ሓሳብ

ብጌታቸው ኣረጋዊ

ግእዝ፣ ብሄረ ኣግኣዝያን፣ ትግራይ-ትግርኚ፣ ኣግኣዝያዊነት፣ ማሕበር ኣሕዋት ኣግኣዝያን፣ ኣግኣዝያን ሪፐብሊክ/ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዝያን ወዘተ

ክሳብ ቀረባ እዋናት (ብፍላይ ኣብ ዓድና) ማሕበራዊ ሚድያ ከም ቁምነገር ገይርካ ዝውሰድ ኣይነበረን። ብፍላይ ከዓ እኒ ፌስቡክ ስቕ ኢልካ ናት ተራ ወረን ጠራዕራዕን ገይርካ ዝረኣየሉ እዩ ነይሩ። ሐዚ ግን ዋላ እኳ መሊእኻ እትምሕለሉ ፅሩይን ሓላፍነት ዝወሰደሉን መድረኽ ተዘይ ተበሃለ፣ ቁምነገር ዘለዎም ከበድቲ ዛዕባታት ኣልዒሉ ኣብ ሕብረተሰብ መዘራረቡ ኣብ ምግባር ግን ተርኡ ልዑል የኸውን ኣሎ። ብፍላይ መንኣሰይ ትግራይ እዚ ዓውዲ ብደንቢ ዝጥቀምሉ ዘለው ይመስሉ። ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝለዓሉ ጉዳያት ከም ቁምነገር ወሲድካ ክዝተየሎም ዘለዎ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ምብፃሕ ይከኣል።

ብዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ኣግኣዝያን ብዝምልከት ሓፂር ዳህሳስ ክነቕርብ። ኣብዙይ ብዋናነት ክረኣዩ ዘለዎም ትርጉምን ታሪካዊ ኣመፃፅኣን ኣግኣዝያን? መን እዮም ኣግኣዝያን? ሐዚ ኸ እቲ ኣግኣዝያውነት ንመነመን ይሕዝ? ምስ ግዝእ ታይ ርክብ ኣለዎ? ምስ ትግራይ ትግርኚ ዘሎ ምምስሳልን ፍልልይን ከ? ኣግኣዝያን ዝብል ምንቅስቓስ ብመን መዓዝ ተጀሚሩ? ሐዚ ዘለዎ ብርኪ ኸ ታይ ይመስል? እቶም መሰረታዊ መትከላትን ትሕዝቶን እቲ ምንቅስቓስ እንታይ እዮም ዝብሉ? ብተቐውሞን ብድጋፍን ዝቐርቡ ኣረኣእያታት ብሓፂሩ ታይ ይመስሉ? ናበይ ከ ከምርሕ ይመስል… ወዘተ ዝብሉ ነጥብታት ኣልዒልና ዘለና ሓሳባት ክነቕምጥ እሞ መንበብቲ ድማ ክትመያየጥሉን ብቐፃሊ ሓሳብኩም ክትህብሉን ንዕድም።

ኣመፃፅኣ ስያመ ኣግኣዝያን ወይ ኣግኣዝያን መን እዮም?

ተማራማሪ ታሪክ ፕሮፌሰር ላጲሶ ከም ዝብልዎ ታሪክ ኢትዮጵያ ንምፅናዕ 1) ብ ሳባ፣ ግእዝ ፣ ግሪክ ዝተፀሓፉ ኢነስክሪፕሽን/ዝተቐረፀ ፅሑፍ ከምኡ ድማ ሳናቲም/ ገንዘብ 2) ካብ ወፃእ ድማ ናይ ግበፂ ሄሮግሎፊከስ፣ እብራይስጥ፣ ግሪክ፣ ዓረብ፣ ሮማውያን ወዘተ 3) ኣብ ማእኸላይ ክፍለዘመን ብግእዝ ኣብ ብራና ዝተፀሓፉ ገድልታት 4) ድሕሪ 16 ክ/መን ብድፕሎማትስ ወይ ሚስዮናውያን ዝተፀሓፉ መሬዳእታት 5) ካብ ቴድሮስ ንደሓር ብኣምሓርኛ ዝተፀሓፉ ዜና መዋእላት 6) ናይ ትውፊትን ስነ ልሳንን መረዳእታታት… መሰረታዊን ኣገዳስትን እዮም ( ላጵሶ፣ ረጂም የህዝብና የመንግስት ታሪክ 1982፣ ገፅ 20)። ብመሰረት አዚ መርህ እዚ፡ ኣግኣዝያን ዝምልከት ኣብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰነዳት ኣገላብጥና ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፦

 ብመጀመርታ ኣብ ፍልፍል መረዳእታ ታሪክ ዝለዓለ ተኣማንነት ዘለዎ ኢንስክሪፕሽን/ኣብ እምኒ ዝተቐረፀ ፅሑፍ

ኢንጅነር ሃፍታይ ኣባዲ (ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትግራይ

ባዮቴክኖለጂ ማእኸል)

DSCN0068

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ቅድሚ ሐዚ መቐለ ቲሹ ካልቸር ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ ትካል ኣብዚ ሐዚ ግዜ ትግራይ ባዮቴክኖሎጂ ማእኸል ብዝል ተጣይሹ ኣዝዩ ዓብዩ ዓቕሚ ሒዙ ይርከብ። ናይዚ ትካል እዚ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኢንጅነር ሃፍታይ ኣባዲ ቃለ መጠይቕ ገይርና ኣለና ሰናይ ንባብ።

ውራይና፦ ናይ ትግራይ ባዮቴክኖሎጂ ማእኸል እንታይ እዩ ናይዚ ትካል  መንነትን ዕላማን እንተተብረሀልና?

ኢንጂነር ሃፍታይ ኣባዲ፦ እዚ ናይ ቲሺ ካልቸር ቴክኖሎጂ ክዓቢ ስለ ዝግበኦ፤ ብዝህቦ ረብሓ ብፍላይ ምስ ናይ ምግቢ ውሕስነትን ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ተተሓሒዙ  ዝያዳ ንምስራሕ ስለ ዝተሓሰበ ባዕሉ ኣቶ ተኽለወኒ ኣሰፋ ትግራይ ባዮቴክኖሎጂ ማእኸል ብሓዱሽ መልክዕ ክጣየሽ ኣለዎ፤ ሰፋሕቲ ናይ ዳይቨርስፊኪሸን ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ ተባሂሉ ማለት እዩ ክጣየሽ ተገይሩ።

መጀመርታ  ባዮቴክኖሎጂ ከም ሳይነስ  እንታይ እዩ ኢልና ምርኣይ እንተጀመርና ግርም እዩ። ባዮቴክኖሎጂ ሂወታውያን/ኦርጋኒዝም  ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ናብ ረብሓዊ ዘለዎ ምህርቲ ምቕያር ማለት እዩ። ምስ ህይወት መነባብሮ ዓለም ንኹሉ ብጥዕና፣ ብምግቢ ብኢንቫይሮመንታል፣ ብኢንዳስትሪ እቲ መሳርሒ ናይ ባዮቴክኖሎጂ ምጥቃም ማለት እዩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብዛ ሃገር (ካብ ክልል ናብ ክልል እኳ ዝፈላለ እንተኾነ) ክንሪኦ ዝፀናሕና ቅልውላውን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ከይዱ ከይዱ ብቲ ንቡር ከይዲ ክፍታሕ ስለ ዘይከኣለ፤ መንግስቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብምእዋጅ ኮማንድ ፖስት ኣጣይሹ ናብ ኣንፃራዊ ሰላምን ምርግጋዕን መሊስዎ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ብመሰረቱ  ብዘላቕነት መፍትሒ ክሳብ ዘይረኸበ ግን ሐዚ ‘ውን ንዜጋታት ዘተሓሳስብን ዋና መዘራረቢ ጉዳይን ኮይኑ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ኩነታት ሐዚ ‘ውን ምድህሳሱ ኣገዳሺ ይኸውን። ኣብዛ ሓፃር ፅሕፍቲ እዚኣ 1) ውድብ ኢህወደግ ከም መራሒ መንግስቲ መጠን ንቲ ፀገም ኣሚኑ ክፈትሖ እየ ኢሉ ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምር ዘሎ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኩነታት ብሓፂሩ፣ ኣብ ምንጪ እቲ ፀገም ዘሎ ኣርዳድኣን ከይዲ ኣፈታትሕኡን ብዝምልከት ዝወሃቡ ዘለው ርኢቶታት፤ 2) ብቲ ካሊእ ገፅ ድማ ኣብ ትግራይን ተጋሩን ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?፣ ህወሓት ንቲ ኩነታት ከመይ ገምጊምዎ? እንታይ ክያዶታት ከይዱ? ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ዝብል ንምርኣይ ክፍትን እየ።

መእተዊFront 33

ኢትዮጵያ ንኣሽሓት ዓመታት ነፃነታ ሓልያ ዝነበረት ኣብዚ ዓለም እኒሀዋ ካብ ዝበሃላ ጥንታዊ ስልጣነ ዘለዎን ዕድመ-ፀገብ ዓድታት ሓንቲ እያ። ኣብ ሓደ እዋን እውን ኣብቲ ጫፍ ናይ ስልጣነ ዓለም ተቐሚጣ ዝነበረት እያ። ብቲ ካሊእ ገፅ ድማ ብዝገርም መንገዲ ጉፅዞ ቁልቁለት ናብ ድኽነትን ድሕርትን ወሪዳ ፈፈው ኢላ እያ። ካብ መጀመርታ ብሓበራዊ ምርድዳእ ህዝባ ዝተመስረተ መንግስትን እትግዘኣሉ ሰነድን ሃሊይዋ፤ ሓበራዊ ሃገራዊ ፍልስፍና ሃልዩ፣ ክብፃሕ ዝግበኦ ሃገራዊ ራኢ/ሽቶ ተቐሚጡ፣ እሞ ንዙይ መሪሑ ዝኸድ መንግስትን ሰብን ሃልዩ ስለ ዘይተኸይደ፤ ሓድነታ ዝፀንዐ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካሊእ መድረኽ እናማዕበለ ዝኸይድ  ሃገራዊ ጉዕዞ ከይወነነት ፀኒሓ።

 “ክንቃለስ ኢና ዝመፃእና እምበር ማእከላይ ኮሚቴ ክንከውን ኢልና በረኻ ኣይወፃእናን” ፣ ንሓደ ውድብ ጥራይ ተኣማኒ ምዃን ዘላቂ መፍትሒ ኣየምፅእን፣ ሓድ ውድብ ረብሓኻ ከረጋግፀልካ እትጥቀመሉ መሳርሒ ስለ ዘኮነ ረብሓኻ ክሳብ ዘረጋገፀ ኢኻ ተኣማኒ/ሎያል እትኾነሉ”

ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)image 0 02 05 c6c91deb7a11c41fb940bf4a88a52b588174df94150cf0a51c7ed53eeffe23a2 V 1

ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) መስራቲ ህወሓት እዩ። ንህወሓት ጠፍጢፉ ሰሪሕዋ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ጥጅእ ክሳብ ፅራይ ኣብፂሕዋ ዝብል ይገልፆ ይመስለኒ። ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ተመሃሮ ንጡፍ ተዋሳኣይ ዝነበረ፤ ደሓር እውን ዝተወሰኑ ኣዕርኽቱ ኣተኣኻኺቡ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ዝመስረተ ኣረጋዊ በርሀ ካብቶም ንደደቢት ወፅኦም ሽግ ሓርነት ዝወልዑ ዕንቁ ደቂ ህዝቢ ሓደ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ መራሒ ነይሩ። ኣብ ገድሊ ዝነበሮ መፀዊዒ ሽም በሪሁ እዩ። በሪሁ ክሳብ 1971 ዓም (ን 4 ዓመታት) ኣቦመንበር እቲ ውድብ፤ ካብ 71 ክሳብ 77 ሓላፊ ወታደራዊ ጉዳያት፤ ካብ 78 ክሳብ 80 ዓም ኣብ ድምፂ ወያነ መዳለዊ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ኮይኑ ኣገልጊሉ። ካብኡ ንደሓር ካብ ውድብ ተሰናቢቱ ንወፃኢ ከይዱ ክሳብ ዶክትሬት ዲግሪ ተማሂሩ ኣብ ስራሕቲ ምርምርን ፖለቲካዊ ንጥፈትን (Tgrean alliance for national democracy ዝብል ውድብ ኣጣይሹ ይንቀሳቐስ )ይርከብ፤ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ፣ ኣውሮፓ ይነብር፣ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቖልዑን እዩ።  ኣብ ጅግንነትን ብቕዓትን ኣረጋዊ በርሀ ዝጠራጠር ተጋዳላይ ኣይረኸብኩን። ገለ ብፆቱን መቓልስቱን ከመይ ይገልፅዎ ኣስዒበ ከቕርበልኩም፦

ኣቦይ ስብሓት ብዛዕባ ጅግንነት ዶ/ር ኣረጋዊ እንትዛረብ “ሰብ ከይዱ ብህይወት ክምለሶ እዩ ዘይበሃል ብድፍረት ከይዱ ይመፅእ፤ ኣይከኣልን ዝበሃል ከም ዝከኣል ብትግባር ዘርኢ፤ ብዙሓት ተጋደልቲ ብትብዓትን ብቖራፅነትን ክቃለሱ መርኣያ ዝኮነ፣ ወነ ዘዕጠቐ እዩ፤ ሰብ ብምህናፅ ተወዳዳሪ ኣይነበሮን፤ ዓብዪ ወታደራዊ ናይ ጅግንነት ባህሊ ሃኒፁ እዩ፣ በሪሁ ጅግንነት ኣብ ህወሓት ከም ባህሊ ክህነፅ ኣብ ምግባር ዝነበሮ ተራ ብቓላት ንምግላፅ የፀገም እዩ” ይብል (ኣብ EBS ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕን ንኢያሱ መንገሻ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕን)

ጀ. ፃድቃን ብወገኑ “ኣረጋዊ ብውልቅኡ ጅግና ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብነሃተይ እምነት ኣብ ህወሓት ጅግንነት ከም ባህሊ ንክኸውን/ንኽሰርፅ ኣብ ምግባር (ብተግባር ብምርኣይን ብዘረባ ብምግላፅን) ዘይትካእ ተራ ነይርዎ” ይብል። ጀ. ፃድቃን ቅፅል ኣቢሉ ብዛዕባ ኣብቲ መጀመርታ እዋናት ዝነበረ (ቅድሚ ምስረታ ማለሊት) ኩነታት ኣብ ዝገለፀሉ ፅሑፉ “ኣረጋዊ ይኹን እቶም መጀመርታ ካብ ንእሽተይ ጉጅለ ጀሚሮም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ይድግፉ እዮም ዝበልዎም ሰባት ኣተኣኻኺቦም፤ ከቢድ ናይ ውደባ ስራሕ ሰሪሖም ቃልሲ ክጅመር ኣግቢሮም፤ ኣብቲ ፈታኒ ዝነበረ ህልውናኻ ናይ ምርግጋፅ መድረኽ ትኽክለኛ ዝመሰሎም ውሳነ እናወሰኑ እቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ተጋድሎ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ወታደራዊ ሓይሊ ማንም ክደፍኦ ናብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ዘብፅሑ፤ እዚኣም ኣብቲ መጀመርታ 10 ዓመታት መሰረታዊ ውሳነታት እናወሰኑን እናመርሑን ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ንድሕሪት ዘይምለሰሉ ኩነታት ዘብፅሑ ኮሎም ከም ኩሉ ፈታዊ ዓዱ ትግራዋይን ከም ምስኦም ኮይነ እጃመይ ዘወፈኹ ሰብን ዓብዪ ከበሬታ ኣለኒ። ኣረጋዊ ካብዚኣቶም ብቕድሚት ዝስራዕ ጅግና ትግራዋይ እዩ።” (ውራይና 18)።

ብስራት ኣማረ ኣብታ “ፍኖተ-ገድል” እትብል መፅሓፉ “ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ኣብ ግዜ መሪሕነቱ ብዘርኣዮ ብቕዓትን ኣልቦ ፍርሒ ጅግንነትን ኣብ ህዝብን ውድብን ዝለዓለ ክብሪ ረኺቡ እዩ። ብፀላኢ ከም ሰይጣን፣ ብህዝብን ብተጋደለትን ድማ ሞት ዘይትንክፎ ኣንበሳ ተባሂሉ። ጅግንነትን ወነን ኣረጋዊ በርሀ ንተጋዳላይ ህወሓት መርኣያን ኣብነትን ኮይኑ ሰራዊት ህወሓት ሰፈር ዝወፀሉ ድንብርፅ ዘይብል ቆራፅ ጅግናን ክኾን ኣኽኢሉ እዩ። ከም ኣያተታቱ የውሃንስን ኣሉላን ካብ ምንም ተላዒሉ ብዝገርም ድፍረትን ጥበብን ዘርኣዮ ስብእና ንቡዝሓት ምንጪ ወታደራዊ ክእለትን ፍሉይ ጥበብን ኮይኑ እዩ። ከምዙይ ኮይኑ እውን ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ህወሓት ብዝለዓለ ድምፂ  ኣቦመንበር ክኾን ዝተመረፀ ኣረጋዊ ብሰናይ ፍቐዱ ኣነ ይትረፈኒ ኢሉ ንስብሓት ነጋ ክምረፅ ኣቕሪቡ/ጠቁሙ ስልጣን ብሰላም ኣሕሊፉ ዝሃበ እዩ። እዙይ ኣረኣእያ ድማ ኣብቲ ውድብ ስልጣን ደላዪ ምዃንን ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ግዜ ምቕማጥን ፅቡቕ ዘይምዃኑ መልእኽቲ ኣሕሊፉ እዩ”

ካሊእ ጅግንነት ዶ/ር ኣረጋዊ ዝገልፅ፤ ኮ/ል እያሱ መንገሻ “መለስ ዜናዊና የህወሓት የትግል ጉዞ፣ ቅፅ 1” ኣብ ዝብል መፅሓፉ ገፅ. 239 ከምዚ ይብሎ “ኣብቲ ወቕቲ (ክሳብ 1976 ዓም) ሽሙ፣ ዝንኡን ስልጣኑን ከም ውቅያኖስ ባሕሪ ዝገዘፈ፣ ሰማይ ዝኣክል ዝሰፍሐ ተባሂሉ ዝእመነሉ ፍጥረት። ከም ግመል ተጓዒዙ ዘይደክም ፣ ዝተፈጠረ ሓዱሽን ኣፀጋሚን ኩነታት ድንብርፅ ዘየብሎ፣ ፍርሕን ድንጋፀን ብጥቕኡ ተወዝ ዘይትብሎ፣ ኣብ ዝኮነ ኣሎ ዝበሃል ኣፀጋሚ ኩናት ዘይጠፍእ፣ ካብ ትምህርትን ስልጠናን ዘይኮነስ ካብ ዝረኸቦ ተግባራዊ ልምድን ንባብን ኣብ ወታደራዊ ኣመራርሕኡ ዝነበሮ ፍልጠት፣ ክእለትን ብቕዓትን ተኣምር ዘበለ ፍጥረት እዩ በሪሁ”

ብብፁቱ ብከምዚ ዝግለፅ ጅግና ተጋዳላይ ኣረጋዊ በርሀ ኣብ ታሪኽ ተጋድሎን ሐዚ ዘሎ ኩነታትን ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ሂቡና ኣሎ። “ኣብቲ ዘይተርፍ ምግዳልን ዘይተርፍ ዓወትን ህይወትካ ሰሪዕኻ ናይ እማን ዝተጋደልካ ብፃይ ከመይ ኣለኻ! ብንእሰነትካ ከም ባሕታዊ መኒንካ፤ ኣብ በዓትን ቋቁራን ኣብ ሞሮርን ገሓርትን … ፈፈው ዝበልካ ተጋዳለይ ትግራይ ከመይ ኣለኻ! ኣንታ በዓል ሽራራን ሸንሸልን፤ ኣንታ በዓል ጋምባለን ኹሽኩን፤ ኣንታ በዓል ዕላማን መትከልን፤ ከመይ ኣለኻ! … ሓውን ማይን ኢኻ። ከም ሓራስ አድጊ ቦቕቧቕ፤ ከም ሓራስ ነብሪ ትንድር ረመፅ ዘይትዕኮት ኢኻ። ንዅናት እትቅልስ አቦ ጓይላ ኣቦ ብሬን ከመይ ኣለኻ። ቁምብላታት ረሽራሽ ናይ ፋሽሽቲ ከም ኣይሂ ዝናም ኣብ እንግዳዕኻ እናፀሓየ፤ መሬት ጉሂራ ባል ባል ኢላ ግመ ባሩድ እናገላህኻ ከም ስልኪ እናተዓፃፀፍካ ድፋዓትን ድሩዓትን ትብንቅር … ተጋዳላይ ትግራይ ከመይ አለኻ?” እትብል ፅሕፍቲ ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡን፤ “ንጉሰየ ዓይኖመይ ዓይኖመይ፣ክኾሉዃ ኣይሓቆም እንድዮምየ፣ ክዘምቱኻ ኣይሓቆም እንድዮምየ፣ … ስብእነትካስ ሓሊፉ ተሪፉ… ንጉሰየ ንጉሰ ሪኢኻያ እዛ ዓለም…” እትብል ናይ ዳዊት ሽላን ደርፊን ኣንጊደ እየ ናብ ቃለ መጠይቕ ዶ/ር ኣረጋዊ ከስግረኩም፤ ሰናይ ንባብ።

ውራይና፦ ቃልሲ ቅድሚ ምጅማርኩም ማለት ህወሓት ቅድሚ ምምስራትኩም ተመሃሮ ኮይንኩም ብዙሕ ምንቅስቓስ ነይርኩም እሞ ንሃትካ ተሳትፎ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ መሰረት ገይርካ እቲ ከይዲ እንተዋጋዕኻና?

ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፦ ብርግፅ ናይ ህዝቢ ትግራይ መከራን ሽግርን ዘበገሶ ምንቅስቓሳት ነይሩ እዩ። ንሕና ውፅኢት ናይቲ ሽግር ኮይና ንቲ ሽግር ንምፍታሕ፤ ካብ ዝተሰመዐና ጀሚሩ ዋላ ካልኣይ ብርኪ (ሃይ ስኩል) ተመሃሮ ኮይና እውን ንንቀሳቐሰ ነይርና ኢና። ናይ ቅድሚት ዕድልና እውን ኣብቲ ናይ ህዝብና ፍትሒ ምርካብ ምዃኑ ተረዲኡና ትምህርትና ይኹን ካሊእ ስራሕትና በዚ ቃልሲ ዝተቓነየ እዩ ኮይኑ ነይሩ። ካብኡ ዝተለዓለ ኣብ ዩኒቨርስቲ ከይድና እውን እቲ ቃልሲ ከመይ ኢሉ ክፍጠርን ናበይ ገፁ ክኸይድ ከም ዝግበኦን ምስቲ ኣብኡ እንረኽቦ ትምህርቲ ይኹን፤ ምስቲ ብኢትዮጵያ ደረጃ ኣብኡ እንገብሮ ነበርና ምንቅስቓስን እናተሓሓዝና ክንሪኦ ጀሚርና። ኣብ ህዝብና ውሽጢ እነኣተና እውን ምንቕቓሕ ምፍጣር፣ ምውድዳብ ምፍጣር ጀሚርና። ካብዚታት እዩ እቲ ምንቅስቓስና ዝጅምር። ከይዱ ከይዱ ኸዓ ናብ ተሓህት ደሓር ህወሓት ምፍጣር በቒዑ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝኒሀ ናይ ዓድና ኩነታት እንታይ ይጠልበና ኣሎ ኢልና እንተሓቲትና ነፃ ኮይንካ ምዝርራብን መፍትሒ ሓሳባት ምንዳይን ዝብል አዩ ግቡእ መልሲ ክኾን ዝኽእል። ብርክት ዝበሉ ሰብ ተሞኩሮ “መፍትሕታት ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገማት” ኢሎም ካብ ዝፍንውዎም ዘለው ነጥብታት እቲ ዝዓዘዘ ሚዛን ዝወስድ “ኩሎም ሓይልታት ብሓባር ዝዝትዩሉ መድረኽ ምፍጣር” ዝብል እዩ። እዙይ ንምግባር ድማ ነፃ መድረኽ ዝፈጥራ ነፃ ትካላት ወይ ውዳብታት ክህልዋ ግድን ይብል። እቲ ሃገራዊ ኩነታት ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ እንተዘይተኸይዱ፤ ኢህወደግ ብዝገብሮ ፃዕሪ ጥራይ ክፍታሕ እዩ ዝብል ተስፋ ዘለዎ ለባም የልቦን። ንህልውና ዓድን  ምርግጋፅ ዘላቒ ረብሓ  ህዝብን ክበሃል ድማ ክትግበር ዝግበኦ አዩ። እዙይ ንመራሒ መንግስቲ ዝኾነ ኢህወደግ ጥራይ ዝሕደግ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ዜጋ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ዝከኣለና ክንገብር ይግባእ።

ናብ ናይ ትግራይ ኩነታት እንትንመፅእ እውን ተመሳሳሊ ነገር ምግባር ከድሊ እዩ። ካብቲ ካብ ትምክሕተኛታትን ካልኦት ፀረ ህዝቢ ትግራይን ዝመፅእ ዘሎ ዘመቻታት ወፃእ ንህልውናን ሓድነትን ተጋሩ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ዝተረሓሓቐ ኣርኣእያ ዘለዎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ትግራይና ውሽጢ ኣለው እኳ ዝበሃል እንተዘይኮነ፣ ንቲ ካብ ደገ ክመፀና ዝኽእል ሓደጋ ንምኽልኻልን ኣብ ዓድና ዘለው ናይ ህዝብና ጠለባት ንምምላስን ክበሃል ግን ንሕና እውን ምዝርራብ የድልየና እዩ። ብመሰረት እቲ ጭቡጥ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ትግራይ ክዘራረቡን ክማየጠን ዘለዎም እቲ ህዝቢን ገዛኢ ፓርቲ ህወሓትን እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። አዙይ ድማ

ተጋዳላይ ስዩም መስፍን፦

 

ውራይና፦ እቲ ሐዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፀገም ምንጩን እንታይነቱን ብኣኻ ከመይ ትገልፆ?

ተጋዳላይ ስዩም መስፍን፦ ንቐደም እቲ ፀገም ንብሎ ዘለና እንታይ እዩ፣ ናይ ሓባር ምርድዳእ ኣለና ዶ ዝብል ምርኣይ ከድልየና እዩ ቅድሚ ናብ ምንጩ ምኻድ። ስለዚ ዘጋጥሙና ዘለው ፀገማት እንታይ ይመስሉ? እንታይ ከ እዩ ባህሪኦም፣ ኣሰላልፈኦም? ኢልካ ምርኣይ እዩ ፅቡቕ ዝመስለኒ። ኣብ ሃገርና ኩላትና ከምንሪኦ ዘለና ህንፀት ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ድማ ብመሰረቱ ብፅቡቕ እናኸደ እዩ፤ ይዓቢ ኣሎ፣ ይምዕብል ኣሎ ዋላ እቲ ፖለቲካዊ ጉዕዞ። ፌደረራላዊን ዴሞክራስያዊን ናይ ስርዓት ጉዕዞ ኢልና ኣለና። ህወሓት/ኢህወደግ ሒዝዎ ዝተበገሰ ዕላማ ኣሎ። ምስ ደርጊ 17 ዓመት ዝተቓለሰሉ ምኽንያት እቲ ስርዓት እቱይ ከይኣፍረስካ ኣንፃር ድኽነት ዝካይድ ቃልሲ ምግባር ስለ ዘይከኣል እዩ። ናይ ህዝብታት ሓድነት ኣብ ምፍቕቓድ ዝተመስረተ ሓድነት ብዘለዎ ምቕፃል ዘይከኣል ስለ ዝነበረ እዩ። ንዙይ ብሓይሊ ኣወጊድካ ንቲ ንኸዶ ዘለና ስርዓት ንምህናፅ እዝኹሉ ዝተኸፈለ። እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ እዙይ እዩ ነይሩ ብዓወት እውን ተዋፂእናዮ።siyum

ስለዚ ምስተዓወትና ክንገብሮ ዝነበረና ኣብ ሃገርና  ናይ ብሄራትን ብሄረሰባትን ማዕርነትን ሓድነትን ክነረጋግፅ ነይሩና። እዙይ ብናይቲ ህዝቢ ድሌት መሰረት እዩ። ሓደ ልዑል ሓደ ትሑት፣ ካልኣይ ዜጋ ሳልሳይ ዜጋ ዘይብሉ ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓባር ድሌቶምን ረብሐኦምን፣ ኣብ ምክብባርን ምድግጋፍን ዝተመስረተት

መ/ጀ ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ጀቤ)
ኢትዮጵያ ኣብዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብዚ ሰላም ዘይዓሰሎ ምብራቕ ኣፍሪካ ንባዕላ ሰላም ኣረጋጊፃ ንኻልኦት እውን መርኣያ ኮይና እያ። እሰዬው እዩ ዘብል፤ እዙይ ውፂኢት ቃልሲ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ዝተማለአ ዴሞክራስያዊ ሕገመንግስቲ ኣፅዲቖም ብምትግባሮም እዩ። መሰል ብሄረ፣ ብሄረሰብ፣ ህብታትን ውልቀን ኣጣሚሩ ብዝተማለአ መንገዲ ዘኽብር ሕገ መንግስቲ ብዝተወሰነ መልክዑ እውን እንተኾነ ከተግብሩ ስለ ዝጀመሩ እዩ። ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ልምዓት ብምምፃእ ብተነፃፃሪ ቅልጣፈ ድኽነት ብምንካይ አዩ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ሒዞም ዘለው።

ኣብ ሃገርና ኣብ ገለ ገለ ክልላት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ክርኣይ ዝፀንሐን ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ድማ ኣዕርዩ ዝገደዶን ህውከትን ዘይምርግጋዕን ህይወት ዜጋታትን ሃፍትን ንብረትን ዓዲ ኣብሪሱ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ መንግስቲ ሰላምን ፀጥታን ህዝብን ሃገርን ንምሕላው ክብል ህፁፅ ግዜ ኣዋጀ ኣዊጁ እዩ። እቲ ኣዋጅ ንምእዋጅ ሕገመንግስትና እንታይ ይብል ዝብልን ብቲ ዝተጣየሽ ከማንድ ፖስት ዝወፀ መምርሒ መፈፀሚ እቲ ኣዋጅ ዝርዝር ትሕዝትኡን ከምዘለዎ ነቕርበልኩም ኣለና ሰናይ ንባብ።
ሕገ መንግስትና ብዛዕባ እዚ ኣዋጅ ዝብሎ
ኣብ ምዕራፍ ዓሰርተ ሓደ፤ ፍሉያት ሕግታት ኣብ ዝብል ርእሲ፤ ዓንቀፅ 93 ዘቐመጦ ዝርዝት ትሕዝትኡ ከምዚ ይመስል፦

ውራይና፦ ብምልላይ ዶ ክንጅምር?

ኣብርሃ ደስታ፦ ዝተወለድክሉን ዝተምሃርኩሉን ኣብ ሓውዜን እዩ። ዓዲ ግራት እውን ተማሂረ። ኣብ መቐለ ሃፀይ ዮሃንስ እውን ተማሂረ። ካብኡ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ፖለቲካል ሳይንስ ተማሂረ። ቀፂሉ እውን   መቐለ ዩኒቨርስቲ ዲቨሎፕመንት ስታዲስ ተማሂረ።   ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ይሰርሕ። ካብኡ ፒኤች ዲ እናተምሃርኩ እናሃለኹ ተኣሲረ።20161001 153049 1

ውራይና፦ ሕዚ እቲ ናይ ፒኤችዲ ትምህርትኻ ክትቕፅሎ ዲኻ? ከመይ እዩ?

ዉራይና፦ፅቡቅ እምበኣር ተጋዳላይ ፍስሃ ዘሪሁን ኣብ ናይ ቃልሲ ተመኩሮኻ መሰረት ጌርና ኣብዚ ሕዚ ዝኒሄ ወቕቲ ሓደ ሓደ ሓሳባት ንምሕላፍ እዩ። ካብ ውልደትካን ኣተዓባብያኻን ንጀምር እሞ ናብቶም ሓሳባት ክንኣቱ።

ፍሳሃ ዘሪሁን፦ ኣኽሱም እየ ተወሊደ።ዳረጋ ሽድሽተ ዓመት ምስ ገበርኩ ምስ ቤተሰብ ጎንደር እየ ተማሂረ።  ቀዳማይ ብርኪ ወዲአ ብድሕሪኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማሂረ። ብድሕሪኡ ግን ካብ ዓሽራይ ክፍሊ ጀሚረ ድማ ኣብ ኣኽሱም ናብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ምስ ሓለፍኩ ድማ ዳረጋ ኣይተማሃርክዎን ሜዳ ወሪደ ማለት እዩ። እዙይ እዩ እቲ ኣታዓባብያይ።

ናሁሰናይ በላይ

ዉድብ ኢህወዴግ ይኹን ህወሓት ገምጋም ዓሰርተ ሓሙሸተ ዓመት ጌርና አለና ፀገምና ድማ ክራይ ኣካቢነት እዩ፤ ናይዚ ፀገም ቐንዲ መግለፂኡ ድማ መንግስታዊ ስልጣን ንዉልቀ ረብሓ ምዉዓል እዩ ይብል። እዚ ፀገም ድማ ህዝቢ ከማርርን ኣብ መንግስቲ ዘለዎ እምነት ክሽርሸርን ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ኸባቢታት ናብ ዓመፅን ሓይለ መልጢን የምርሕ ከምዘሎ ባዕሉ ኢህወዴግን መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን

                                                                                            ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል


ውራይና ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ምስ ክቡር ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል ምክትል ኣቦመንበር ህወሓት፣ በም/ቀዳማይ ሚኒስትር ማዕረግ መተሓባበሪ ጉዳያት ክላስተር ፋይናንስን ኢኮኖሚን ሚኒስትር መራኸብን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ዝተገበረ ቃለ መጠይቕ ንመንበብቲ ኣቕሪባ ኣላ፤ ሰናይ ንባብ!

debrits

ኩሎም ካልኦት ሸግራት ካበዚ ዝፍልፉልን ንዐኦም ብምፈታሕ አቢለካ ዝመዓራረዩን እዮም፡፡

 

ብአበበ ተክለሃይማኖት (ሜጄር ጄኔራል)

ምዕቡልን ዘበናዊ ዝበሃል ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ህንፀት ሓዳሽ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ፤፤  ሰላም ንምምፃእ ብዙሕ ፃዕሪ ተገይሩ፣ ዛጊድ ኣብ ሰላም ዝሰአነ ቀርኒ ኣፍሪካ ናይ ሰላም ተምሳሌት ዝኾነት ሃገር ምባል ተጀሚሩ አሎ። ቑልጡፍ ዝኾነ ልምዓት ብምምፃእ ካብተን አብ ዓለም ዝግስግሳ  ዉሑዳት ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ።  እቲ ዴሞክራስያዊ አተሓሳስባ

IMG 1827