ዶ/ር ጉዕሽ ብርሃነ

Front 42 copy

ኣብ Development Strategy and Governance Division of the International Food Policy Research Institute (IFPRI) ተመራማሪ እዩ።. He joined IFPRI in ታሕሳስ 2009 ዓም.ፈ  ካም ድሕረ ዶክትሬት ( postdoctoral fellow) ኮይኑ ኣብ IFPRI’s Ethiopia Strategy Support Program (ESSP) office in Addis Ababa ስራሕ ጀሚሩ። ብ 2009 ዓም.ፈ ብኢኮኖሚክስ ዶክትሬት (Ph.D) ካብ Wageningen University, The Netherlands ረኺቡ። ማስትሬት ድግሩ ድማ  ብ Development Economics from the Development Economics Group, Wageningen University, the Netherlands ብ 2004 ዓምፈ ረኺቡ። ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ መህር ኢኮኖሚክስን ተመራማሪን ኮይኑ ንቡዙሕ ዓመታት ሰሪሑ እዩ።

 

ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዝሰርሖም ምርምራት ንገሊኦም፦

impact evaluations of three big programs in Ethiopia, namely, Ethiopia’s Food Security Program – The Productive Safety Nets Programme (PSNP), the Agricultural Growth Program (AGP), and Cash Transfer Pilot Programmes. He has been part of a team that designed and implemented state of the art ‘randomized control trials’ study of index-based weather insurance for smallholder farmers in Ethiopia. Most of his research work employs recent impact evaluation techniques combined with cross-sectional and/or panel data microeconometric methods. Guush travels frequently to the field and engages farmers and field practitioners with in-depth discussions. Moreover, as part of his job at IFPRI based in Addis Ababa, he is involved in providing technical backstopping, support, and trainings to different government experts in and outside of Ethiopia.

ውራይና፦ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ስለ ዝኾነካን መብዛሕትኦም መፅናዕትታትካ እውን ምስ ዕቤት ቁጠባ፣ ሓፈሻዊ እንታይነት ልምዓትን ስግግርን (ትራንፎርመሽን) ስለ ዝኾኑ ኣብዙርያ እዙይ ኢና ክነዋግዕ። ብፉሉይ ድማ ኣብ ዛዕባ ልምዓት ትግራይ ክነድህብ ኢና። እሞ ልምዓት እንታይ እዩ?      ምስ ዕቤት ዘለዎም ርክብን ፍልልይን ከ እንታይ ይመስል ብዝብል ዶ ክንጅምር?

ዶ/ር ጉዕሽ ብርሃነ፦ ፈለማ ብጣዕሚ የቐንየለይ። ሓሳብ ክህልዎ ይኽእል እዩ ኢልካ ሃሰስ ኢልካ ምምፃእኻ አመስግነካ። ምስቲ ስራሕን ካልእን ኣይካወነልካን እምበር ብዙሕ ጊዜ ኣብ ውራይና ክሳተፍ ዝደልዮ ዝነበርኩ እዩ። እቲ ውራይና ሒዛቶ እትወፅእ እኳ ይከታተል እየ። ብጣዕሚ እዩ ደስ ዝብል። ናበይ ኣበለት ኣላ ዶ ዶንጉያ ዶ እናበልኩ እውን ይከታተል እየ፤ ብጣዕሚ ጠቓሚት እያ ዝብል ፅኑዕ እምነት ስለዜለኒ ከይትቍረፅ ይሰግእ። 

ናብተን ሕቶታት ንምእታው፤ ልምዓት ማለት ብሓፈሻ በኹለመዳይ ምልማዕ ማለት እዩ። ዕብየት ማለት ቁጠባዊ ጥራሕ ክኸውን ይክእል እዩ ልምዓት ግን ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ዕብየት ዝብሃልን ልምዓት ዝበሃልን ዝተፈላለዩ እዮም። እዚ ዘልዕሎ ዘለኹ ብኣተሓሳስባ ደረጃ ንፁርነት ሒዝና ክንኣትዎ ካብ ዝብል እዩ። ስለዚ ቁጠባዊ ዕብየት ምምፃእ ማለት ናይ ግድን ልምዓት ማለት ኣይኮነን። ዲቨሎፕመንት ካልእ እዩ ግረውዝ ድማ ካልእ እዩ። እዚ እቲ ሓደ እዩ። ቁጠባዊ ዕብየት ብጂፒ ድዩ ካልእ ዝዕቀን ብክንድዚ ሚኢታዊ ዓቢና እናተብሃለ ዝንገር ናይ ሓደ ሴክተር ማለት እውን ሴክተር ቁጠባ ለውጢ ማለት እዩ። ዓሚ ኣበይ ነይርና ሎሚ ኸ ኣበይ ኣለና ኢልካ በቶም ጥረ ናይ ኢኮኖሚ ሓቅታት እትዕቅኖ እዩ ቁጠባዊ ዕብየት ማለት። ንሱ ኣብ ዘይብሉ ልምዓት ክመፅእ ኣይክእልን። ንሱ ኣሎ ማለት ድማ ናይ ግድን ልምዓት ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ምክፍፋል ጉዳይ ኣሎ። ካብቲ ዕብየት መን ይጥቀም ዝብል ማለተይ እየ። እዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ብጅኦግራፊ፣ ዲሞግራፊ፣ ፆታ፣ ዕድመ ወዘተ ዝውሰን እዩ። ብካልእ ድማ እቲ ጥረ ናይ ቁጠባ ዕብየት ኣብ ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምፅእ ክኽእል ኣለዎ ጎኒ ንጎኒ። ሓደሓደ ጊዜ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክመፅእ ኣሎ ዝብሃል ነገር ኣሎ። እዚ ስኽ ኢሉ ዝመፅእ ኣይኮነን። ለውጢ ኣተሓሳስባ ድዩ ንቐደም መፂኡ ዳሕራይ ልምዓት ዝመፅእስ ወይ ልምዓት ምስተረጋገፀ እዩ ለውጢ ኣታሓሳስባ ዝመፅእ? ወይ እውን ክልቲኡ ብሓደ እዩ ዝኸይድ ዝብል ዓብዪ ሕቶ እዩ። ንዓይ ቅደም ስዓቡ ኣይርኣየንን። ብሓደ ዝኸይድ ነገር እዩ። ከም ኣነ ልምዓት መፂኡ ዝብሃል ጎኒ ንጎኒ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እውን እናማዕለ ክኸይድ እንተሎ እዩ። ማሕበራዊ ኩነታትካ፣ ኣተሓሳስባታትካ ኩሎም እቶም ፅቡቓት እናማዕበሉ ዝኸዱሉ እቶም ሕማቓት ድማ ባይታ እናሰኣኑ ዝኸዱሉ መስርሕ ይህሉ ማለት እዩ። ትካላት ድማ ይህልዉ። ናይ ልምዓት፣ ናይ ዲሞክራሲ፣ ኣተሓሳስባ እውን ባዕሉ ፅቡቕ እናኾነ ይመፅእ። እዚታት ንምንታይ ይጠቅም ይመስለካ፤ ሓደ ነገር ፅቡቕ ክትሰርሖ እንተለኻ ኣብቲ ካልእ ብዙሕ ኢንቨስት ከይገበርካ ባዕሉ ንባዕሉ ተለኻኺሙ ፅቡቕ እናፈጠረ ብኡ ብኡ ድማ እቲ ፅቡቕ ነገር እናተራበሐ እዩ ዝኸይድ። ንሱ እዩ እቲ ናይ ልምዓት ኣካይዳ።

ለሚዕና ዝብሃል ከ መዓዝ እዩ? ዝብል እውን ወሳኒ ሕቶ እዩ። ፋብሪካታት ስለዘለዉ ካልእ ካልእ ጥራይ ለሚዕና ኣይብሃልን። ለሚዕና ዝብሃል እቲ ቁጠባ ባዕሉ ንባዕሉ ክኢሉ፣ ሰባት እውን ኣተሓሳስበኦም ብኡ ተቐይሩ ሰባት ካብ ሓደታሕተዋይ ናይ ኣተሓሳስባ ደረጃ ናብ ላዕለዋይ ናይ ኣተሓሳስባ ደረጃ እናሓሸ እንትኸይድ እዩ ዓቢና ዝብሃል። መልቲ ዳይመንሽናል ማለት እዩ ልምዓት ማለት። ስለዚ ዝተሓላለኸ እውን እዩ ልምዓት። ንፁር እዚ ዝብሃል ናይ ልምዓት ወሰነ ትርጉም እውን የለን። እዚኣ እያ እታ ናይ መጨረሻ ነጥቢ  ብዛዕባ ልምዓት ኣይብሃልን። ብዙሓት ኣመለኻኽታታት ብዙሓት ፍልስፍናታት እዮም ዘለዉ። ካብዚኦም ግን ምሳና ዝኸዱ ነገራት ክንወስድ ግን ንክእል ኢና።

በዚ መሰረት እቲ ሓደ እንታይ እዩ፤ ንቡር ኩነታት ናይታ ዓዲ ማእኸል ገይርካ ምኻድ ኣድላዪ ስለዝኾነ ሓፈሻዊ ናይ ዓድና ኩነታት እንታይ ይመስል ዝብል ምርኣዩ ፅቡቕ እዩ። ብሓፂሩ ልምዓት ናይ ህዝቢ ጉዳይ ስለዝኾነ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ እንታይ ይገብር ዝብል እዩ እቲ ወሳኒ ሕቶ። ብምዃኑ ህዝብና ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ ህይወት ስለዝመርሕ፤ እዚ ብመሰረቱ ሰፊሕ ርእሰ ጉዳይ እዩ ባዕሉ ዝኸኣለ። ህዝብና ኣብ ሕርሻ ይነብር እምበር ሕርሻ ጥራይ ኣይኮነን ዝሰርሕ። ኣብኡ ዘሎ ዝርዝሩ ምፍላጥ የድሊ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ሕርሻ ዝነጥፍ ማሕበረሰብ ኣብ ዝበዝሓሉ ዓዲ ካብኡ ካብ ሕርሻ እንተጀመረ እዩ ዝሓሸ ዝኸውን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ እቲ ገዛኢ ዝነበረ ኣተሓሳስባ እዩ።

ካልእ ኣብ ስድሳታትን ሓምሳታትን ዝነበረ ኣተሓሳስባ ሕርሻ ድሑር ሴክተርእዩ፤ ብቐጥታ እዩ ናብ ኢንዳስትርያላይዜሽን ክእቶ ዘለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ። ኣብቲ እዋን ንሱ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዓዲ ተፈቲኑ እዩ። ናብ ኢንዳስትሪ ንእቶ ሕርሻ ንግደፎ ዓይነት እዩ ዝነበረ። እዚ ብሓፂሩ ስኽ ኢልና ብኢንዳስትሪ ንጀምር ዝብል እዩ። ብውሑድ በየናይ ንጀምር ኣብ ዝብል እቶም ክልተ ገዛእቲ ኣተሓሳስባታት እዚኦም እዮም። ኮይኑ ግና እዚኣቶም ጥራይ ኣይኮኑን። ኣብ ካልእ ሴክተር እውን ትኹረት ንግበር ዝብል ኣሎ። ካልእ እውን ንኩሎም ብሓባር ንርኣዮም ዝብል እውን ኣሎ። ሚዛናዊ ንኹን ዝብል ኣሎ። እቶም ገዛእቲ ግን እቶም ክልተ እዮም። እዚ ክትገብር እንተለኻ ሰፊሕ ዝርዝር ኣለዎ። በየናይ እታወት ትጅምር ዝብል ካልእ ሕቶ ኣሎ። ዝብዝሕ ምስ ሪሶርስ እዮም ዝተኣሳሰሩ። እንድሕር እኹል እታወት ወይ ሪሶርስ ሃልዩካ እዚ ሞጎታት እዚ ኣድላዪ ኣይኮነን። እንተዘይሃልዩኳ ግን እታ ዝርካባ ኣብ ምንታይ እንተውዓልካያ እያ እተዋፅኣካ ናብ ዝብል ትኣቱ ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ኹሉ ብዙሕ ተፃሒፉሉ ብዙሕ ሞጎታት ተካይዱሉ እዩ ኣብ ዲቨሎፕመንት ኢኮኖሚክስ። ሕዚ ህዝቢ ብዘለዎ እዩ እንተተጀመረ ዝሓይሽ ናብ ዝብል ምርድዳእ ዝተበፅሐ ይመስል። እዚ ሓቅነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ዓዲ ፋብሪካ ብፋብሪካ ዋላ እንተገይርካያስ ገባራት ኣምፂእኻ ናብኡ ክተእትዎም እንተደሊኻ ወለዶታት እዩ ዘድልየካ። እዚ ኣይክኣልን። ኣብ ልዕሊ እዚ ናይተን ፋብሪካታት እታወት ካበይ ኢኻ እተምፅኦ ዝብል እውን ኣሎ፤ ሕርሻ ገዲፍካ እንድሕር ድኣ ኮይንካ እቲ ፋብሪካ እተንቀሳቕሶ ብመሰረቱ ካልእ ፍልፍል ክህልወካ ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ኸ ከመይ ኣቢልካ ኢኻ እትረኽቦ ወዘተ ዝብል ኣሎ፤ ብዝኾነ  ዝርዝሩ ብዙሕ እዩ። እዚኦም ተደሚሮም ናበይ እዮም ዝመርሑኻ፤ ብሕርሻ ምጅማር መማረፂ ዘይብሉ እዩ ናብ ዝብል እዩ።

እዚ ኣካይዳ እዚ ንሕና እውን ኣብ 80ታትን መባእታ 90ታትን ከምዝገበርናዮ እዚ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዳስትርያላይዜሽን ወይ ኣድሊ ዝብሃል ከም ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለዚ ብሕርሻ ጀሚርካ፣ ምህርቲ ተሰስን፣ ሰባት ኣፍረይቲ ትገብሮም፣ መሬትን ሰብን ስለዝኾኑ ሃፍታትካ ኣብኦም ትሰርሕ እሞ ንኢንዳስትሪ ዝኸውን እታወት ወይ ኢንፑት ትረክብ ወዘተ ማለት እዩ። ፈለማ ግን ነዚ ኹሉ ንምግባር ሰብ ክህልወካ ኣለዎ እሞ ውሕስና ምግቢ ተራጋግፅ፣ በሊዑ ዝሓድር ዜጋ ክህልወካ ኣለዎ ኩሉ ነገር ንምግባር። ቀስ እናበልካ መሓውራዊ/ስትራክቸራል ለውጢ ናይ ምምፃእ ስራሕ ትጅምር ማለት እዩ። እዚ እቲ ገዛኢ ኣተሓሳስባ እዩ። ኢትዮጵያ እውን እዚ እያ ተኸቲላ። ቅድሚኡ እውን ነይሩ እዩ ግን ብ94 ዝወፀ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዳስትሪ ዝብል ፖሊሲ ብግልፂ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ንሱ እውን እዩ ክትግበር ተጀሚሩ። እዚ ብሃገር ደረጃ እዩ።

ብሃገር ደረጃ ክርአ እንተሎ እዚ ቀሊል ዘይብሃል ለውጢ እዩ ኣምፂኡ። መረዳእታ መሰረት ገይርካ ምውጋዕ ፅቡቕ እንድዩ እቲ ስሩዕ መረዳእታ ጥራይ ዘይኮነስ ንሕና እውን ዝርኣይናዮ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሕተም ካብ 2004 ብፈረንጂ ክሳብ 2014 ዝነበረ ቀጠባዊ ዕብየት ብፍላይ ሕርሻ እንታይ ይመስል ዝብል ፅሑፍ ኣሎ። ንሱ መሰረት ገይረ እንተተዛረብኩ ይሓይሽ። ምኽንያቱ እዛ ዓዲ ዓብያ እንተኮይና ኣብዘን 10 ዓመታት እዚአን እያ ዓብያ።

 ስለዚ ካብኡ ብምብጋስ እቶም መሰረታዊ ዝብሃሉ ነገራት ኣቐሚጡ እዩ እቲ ፖሊሲ። ፈለማ መሬት እኒሀ፣ ሓረስታይ እኒሀ፣ እቲ ሓረስታይ ክሓርስ ይደሊ፣ ካብኡ ክጥቀም ክሸጥ ይደሊ። ፈለማ እውን ነብሱ ክኽእል ኣለዎ። ናብ ዕዳጋ ድማ ከቕርብ ኣለዎ። እዩ ዝብል እቲ ኣካይዳ። ኣብዚ ዝጎዳድሉ መሰረታዊ እታወታት ነይሮም እዮም። እዚኦም ንኣብነት ንጣፍ ክንደይ ጊዜ እንተፀሃኻዮ፣ ክንደይ ጊዜ እንተሓረስካዮ ይሓይሽ? ንስርናይ ከ? ንስገም ከ? ዝብሉ መሰረታዊ ዝኾኑ ገባር ዝፈልጦም ግን ድማ ቀለልቲ ዝመስሉ ብዙሓት እዮም። እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እዩ፤ ምኽንያቱ እነዋግዓሉ ዘለና ብሃገር ደረጃ ስለዝኾነ። ቴክኒካል ሓገዛት ተገይሮም። ኤክስቴንሽን ዝብሃል ዝሰርሖ ስራሕ ኣሎ፤ ፅቡቕ ስራሕ! ኣብ ውሽጢ ንሱ ልዕሊ 64 ሽሕ ዝኾኑ ናይ ልምዓት ሰራሕተኛታት ተዋፊሮም ኣብ ነብሲ ወከፍ ቀበሌ እንተነኣሰ ሰሰለስተ ዲቮሎፕመንት ኤጀንትስ ዝብሃሉ ተገይርሎም ፋሕጠርጠር ተጀሚሩ። ንሳቶም ዝገበርዎ ሓደ ዓብዪ ነገር እንተሃልዩ ገባራይ ክነቓቓሕ፣ ናብ ስራሕክኣቱ፣ ሓደሓደ እታወታት እውን ከም መዳባርያ ዝበሉ ሓገዛት ምግባር ተጀሚሩ። እዚ ዓብዪ ለውጢ ኣምፂኡ። እዚ ካብ ዜሮ ንብገስ ምስ ምንባርና ብፍላይ ኣብ ምስሳን ሕርሻ ለውጢ ክመፅእ ኣኽኢሉ እዩ። ስለዚ ብሓፈሻ ኣብ ሕርሻ ፅቡቕ ዝብሃል ለውጢ መፂኡ እዩ። እዚ ብድምር እዩ።

እቲ ሓረስታይ ክሰርሕ፣ ባዕሉ ክኽእል፣ ካብኡ ቀፂሉ ድማ ንዕዳጋ ከቕርብ እሞ ዓቕሚ እናተፈጠረ ከይዱ ናብ ኢንዳስትሪታት ክሰጋገር እዩ እቲ ፖሊሲ ዝሕንፅፅ። ነዚ ድማ መንግስቲ ይድግፍ። ንኣብነት እቶም ክኢላታት ዝበልካዮም ኣለዉ። ካብኡ ድማ እታወታት እውን ክጥለብ ይገብር። ሕዚ ኣብ  እታወታት ብፍላይ ኣብቲ መዳበርያ ብዙሕ ኣንፀርፅሮት እዩ ዘሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ትብል?

ፅቡቕ ሕቶ እዩ።  ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዳስትርያላይዜሽን ክነምፅእ ኢና ዝብል ፖሊሲ ክሕንፀፅ እንተሎን ካብቲ ፖሊሲ እናሽረፍካ መተግበሪ ነጥብታት ክውሰድ እንተሎ ሱቕ ኢሉ ኣይኮነን። እቲ ፖሊሲ ኣንፈት እዩ እምበር ዝርዝር ኣይነግረካን። ስለዚ ኣብቲ ፖሊሲ ምንም ዘጠራጥር ኣይብሉን፤ ምስቲ ዓለምለኻዊ ኣተሓሳስባ ዝዛመድ እዩ። ምስቲ ክኸውን ዝግብኦ ዝዛመድ እዩ። ኣብ ዝርዝሩ ግን ከምኡ ዶ ክኸይድ ነይርዎ ዝብል ምልዓሉ ፅቡቕ እዩ።

ብርግፅ ሃገራት ሓደ ዓብዪ ፀገም ዘጋጥመን ኣብ ፖሊሲ ሕርሻ ሓደ መተግበሪ መንገዲ ሓሲብካ  ኩለን ብኣ መገዲ ይፍፀማ እየን ኢልካ ምሕሳብ፤ ብሓንቲ  መንገድስ  ቦረናን ቆላ ተንቤንን ክቕየራ እየን  ኢልካ ምሕሳብ እዩ እቲ ዓብዪ ሽግር። ዋላ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተፈላለየ ዓይነት ተፈጥሮ፣ ሓመድ፣ ኣዝርእቲ፣ ንብረት ኣየር ወዘተ እዩ ዘለዎ።  ነዚ ኩሉ ሓንቲ መፍትሒት ሒዝካ ምእታው እዩ ፀገም ዝኸውን ዘሎ። ዳሕራይ  ብዝርዝር ክመፆ እኽእል እየ። ንሱ ዘምፅኦ  ሓዞ ስደዶ እዩ ፀገም ዝከውን  ዘሎ።

ንኣብነት መደባርያ ንውሰድ። ዩርያን ዳፕን ዝብሃላ ክልተ መደባርያታት  እየን ነይረናና ክሳብ ቀረባ እዋን። ኣብ ውሽጠን ዘለዋ ትሕዝቶታት ኣብ ሓደ ከባቢ ክጎድላ ይክእላ እየን። ኣብ ካልእ ከባቢታት ድማ እተን ኣብዚ ከባቢ ዘለዋ ይህልዋ  እሞ ካልእ ግን ጎዲሉ ክኸውን  ይክእል እዩ። ስለዚ  እቲ መዳበርያ ነቲ ዝጎደለ ዝምልእ እንተዘይኮይኑ ኣየድልን ማለት እዩ። ስለዚ ገባር ኣይደልን ክብል ከሎ ሓደ ሓደ  ጊዜ ተፈጥሮ ሓመዱ ስለዝፈልጥ እዩ። ፈቲኑ ስለዝርእዮ እዩ። ካብ ተመኩሮ ስለዝርእዮ እዩ። ሕዚ እቲ ንኹሉ እንህቦ ዘለና መዳበርያ ሓደ ዓይነት እዩ። ግን ኣብ ሓደ ቦታ ካልእ ቦረን ዝብሃል መዳበርያ የድልዮ ይኸውን። ከምኡ ኮይኑ እናሃለወ ኢና ኤምፒኬ ዝብሃል እንህቦ ዘለና። ስለዚ ከም ኣተሓሳስባ one size fits all ዝብሃል ብሓደ ዓይነት ሳእኒ ኪድ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ እዩ ጌጋ ፈጢሩ ዘሎ ማለት እዩ።

እቶም ሕዚ ኣብ ዕዳጋ ልምዓት ዘምፅኡ ዝብሃሉ ኣተሓሳስባታትን መንገድታትን ፅቡቕ ገሊፅካዮ ኣለኻ፤ ልምዓት ካበይ ይጅመር ‘ውን ኣውጊዕና ኣለና፡  ግርም፤  ኣብዚ ምስ ናይ መንግስቲ ኢድ ኣእታውነት ዝለዓል ነገር እኒሀ። ናይ መንግስቲ ኢድ ወሳኒ ድዩ? መን ከ እዩ ዘምፅኦ ልምዓት? መንግስቲ ድዩስ ውልቀ ሴክተር? ዝብል በኸመይ ኢኻ ትገልፆ?

ልምዓት ብኸመይ ይመፅእ ኣብ ዝብል እንተተረዳዲእና ሕዚ ፓብሊክ ሴክተር ዝመርሖ ልምዓት ዶ ወይስ ፕራይቬት ሴክተር ዝመርሖ ልምዓት ዝብል ክርክር ኢና ክነልዕ ማለት እዩ።  ኣብዚ ዓዲ እውን ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ተጋኒኑ ስነ ሓሳባዊ ሃልኪ ክሳብ ዝመስል ናብ ዘየድሊ ደረጃ ደይቡ ንገለገለ ሰባት እውን ዘስክር ዓይነት እዩ ዝመስል። ንዓይ ክንድኡ ዝተጋነነ ኣይኮነን። ንዓይ ሕዚ እውን ሓንቲ መንገዲ እያ ዘላ ዝብሃል ነገር ኣይሰማምዓሉን። ወይ እቲኣ እያ ወይ እዚኣ እያ ተባሂሉ ዝተዓወተ የለን ኣብ ዓለም። ስለዚ ውልቀ ሴክተር ዝመርሖ ‘ባ ኣይፋል መንግስቲ ዝመርሖ ዝብል ሞጎት ሃልኪ እዩ። ተመኩሮ ካልኦት ዓድታት እውን  ዘርእየና ክንደይ ዝኣክል ሚኢታዊ ካበየናይ ወሲዶም ዝብል እዩ እምበር ሓዋዊሶም እዮም ገይሮምዎ። ናይ መንግስቲ ግደ ወሳኒ እዩ። ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ልምዓት! ኣብ ዓለም ዝተርኣየ ሓደ ዓብዪ ተመኩሮ እውን  እቲ መንግስቲ ግደ ክህልዎ ግን ንናይ ውልቀ ሴክተር ክትክእ ብዘይክእል ኣካይዳ! ባይታ ዝፈጥር ዓይነት ኣካይዳ ክህሉ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሰስባ ኣሎ። እዚ ክንብል እንተለና እቲ ምጥጥን ክንደየናይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ትግራይ ብወድዓውነት ነቶም ኣበኣ ዘለዉ ተዋሳእቲ ዝሕደግ ስራሕ እዩ። 30% መንግስቲ 70% ፕራይቬት ገለ ኢልካ እተቐምጦ ኣይኮነን።   ዝወፅኣላ ሊበራል እትብሃል ኣሜሪካ እውን ኣብ መባእታዊ ምዕራፍ ለውጣ ግደ ፓብሊክ ሴክተር ዓብዪ እዩ ነይሩ። ዋላ ሕዚ!

ስለዚ ነቶም ናይ መንግስቲ ግደ ብዙሕ ክህሉ ኣይብሉን ዝብሉ ሰባት ዝብሎም የድሊ እዩ ግን ኣበይ እዩ ዘድሊ ዝብል ዝርዝር ናይ ስራሕን ኣተሓሳስባን ጉዳይ እዩ እቲ ወሳኒ። እቲ ዘተ ክኸውን ዘለዎ ኣብዚ እዩ። ነቶም ፕራይቬት ሴክተር ዝብሉ እውን ተመሳሳሊ ዝኾነ ኣካይዳ ክኽተሉ ኣለዎም ዝብል እምነት ኣለኒ። በይኑ ፕራይቬት ሴክተር ዋጋ ኣይብሉን። ምኽንያት ድማ ኣለዎ።

ንምንታይ እዩ ብፍላይ ኣብ መባእታዊ ብርኪ ምዕባለ ግደ ፓብሊክ ሴክተር ዘድሊ? ሓደሓደ ስርሓቲ ንውልቀ ትካላት ምችዋት እዮም። ከስቢ ኣለዎም፤ ነዚ ክብል ድማ ከሉ ይኣትዎም እዩ። ካልኦት ሴክተራት ግን ፕራይቬት ሴክተር ክኣትዎም ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ገዚፍ  በጀት ዝሓቱ ክኾኑ ይክእሉ እዮም። ካልኣይ ድማ ሪስክ ክወስዱ ኣይኽእሉን። እዚ ብኣብነት ንምድጋፍ ፅርግያ ንውሰድ።  መንግስቲ እንተዘይሰሪሕዎ መን ክሰርሖ ይክእል? ናይ መገዲ ትርፊ ኸ ብኸመይ ክዕቀን ይኽእል?  እዚ መሰረተ ልምዓት ስለዝኾነ ብመሰረቱ ናይ መንግስቲ ግደ እዩ ዝኸውን። ካብኡ ሓሊፉ እውን ሓደሓደ ፕራይቬት ክገበሮም ዘይክእል ሴክተራትኣለዉ። ንኣብነት ሓይሊ ምፍልፋል ፕራይቬት ሴክተር ዝሓስቦ ኣይኮነን፤ ገዚፍ በጀት እዩ ዝሓትት። ስለዚ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ፓብሊክ ሴክተር እዩ እቲ ስራሕ ዝጅምሮ ኣብ ከይዲ ግን እቲ ጉዳይ  ናብ ፕራይቬት ክኸይድ ይክእል እዩ። ስለዚ መዓዝ ዝብል እንተዘይኮይኑ ናይ መንግስቲ ኢድ ወሳኒ እዩ እየ ዝብል።

ኣብዚ ካብ ዘለዉ ክትዓት እቲ ካልእ ልምዓትን ዲሞክራስን መን ቀዲ ሙ ይመፅእ ዝብል እዩ። ክልቲአም ብሓደ ይኸዱ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ተመዛዚኑ ክኸይድ ዶ ኣይምኸኣለን? ቁጠባኻ እንትዓቢ መሰልካ ትሓትት ዝብል ስነ ሞጎት ኣሎ። ግን ድማ ገገሊኡ ብኣግባቡ እንተዘይተኸይዱ ብሓደ መዓልቲ እውን 100 ፋብሪካ ዝቃፀልእንተኾይኑ ብሓቂ ድዩ እቲ ናይ ልምዓት ጉዕዞ ኣቐዲምካ ምኻድ ኣዋፃኣይ ክኸውን?

መን ይቕድም ዝብል ክትዕ ብጣዕሚ ገዚፍ ክትዕ እዩ። ኣጠቓሊልካ ምብጋስ እውን ንእሽተይ ሓደጋ ክህልዎ ይክእል እዩ። ናብ ዝርዝር ክንኣቱ እንተለና ግን ብመሰረቱ ንምንታይ እዩ እዚ ሕቶ እዚ ሕቶ ኮይኑ ዝብል ምልዓሉ ኣገዳሲ እዩ። እተን ሕዚ ዓብየን ዘለዋ ዓድታት እዚ ሕቶ እዚ ሕቶአን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትኡ ጉዕዞ ብፍላይ ቅድም ኢንዳስትራያላዊ ወያነ ዝነበረ እዋን ዲሞክራሲ ዝብሃል ነገር ከም ዛዕባ ኣብዙይን ኣብቱይን ይነብር ይኸውን እዩ። ግን ከም ኣማራፂ እዚ ዶ ይሓይሽ እዚ ምቕዳም ዝብል ዛዕባ ግን ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን ንሱ ንዓኣቶም ዝሃቦም ረብሓ ኣሎ። ክሳብ ትማሊ ክሳብ ደቡብ ኮርያ ኢ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ኣካይዳ እዮም ዝኸዱ ነይሮም። ዓዲ ዝቐየረ እዩ ናይ ደቡብ ኮርያ መንግስቲ፤ ግን ብቕሉዕ ኢ-ዲሞክራስያዊ እዩ ነይሩ። ካልኦት እውን ከምኡ እየን። ህፃውንቲ ናብ ስራሕ ሕርሻ ኣእትዮም፣ ባርያ ተጠቒሞም ወዘተ እዮም ኣብዚ በፂሖም። ግፍዕታት እውን ወሲኾሙሉ እዮም ለሚዖም። ንሕና ድሓር ስለዝመፃእና በቲ ዳሕራይ ንሳቶም ዘምፅእዎ መዐቀኒ ኢና ክንዕቅን ንፍትን ዘለና። ምስ ዓበዩ እቶም ቀደም ዝገብርዎም ዝነበሩ ይገድፍዎ እሞ ንሕና እቲ ጉዕዞ ሓደ ኢልና እንትንጅምር በቲ ናይ ሕዚ ደረጅኦም ኢና ንባዕልና እንርኢ። ዲሞክራሲ የድልየና እዩ ምባል ምስጀመሩ ዕብየት ዶ ይሕሽ ዲሞክራሲ ዝብል መካትዒ መፂኡ። እዚ ሕቶ እዚ ኣሸጋሪ ዝኾነሉ ምኽንያት እውን እዚ እዩ። ታሪካዊ ፈለግ ኣይብሉን። ክትማሀረሉ እትኽእል ኣይኮነን።

ብመሰረቱ ክትርእዮ እንተለኻ ዝዓበያ ሃገራት እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ኣቀዲመን ብምሓዘን ዘይኮናስ ኢኖቬሽን ከበረታትዕ ዝክእል ባይታ ዝነበረን ሃገራት እየን ቀዲመን ዓብየን። ካብ ሮማን ኢምፓየር ጀሚሩ ዝነበሩ ህዝብታት እቲ ዝዓበዩሉ መንገዲ ዝተወሰነ ናይ ዲሞክራሲ ባህሪ ካብ ዝነበሮም ማሕበራዊ ትካላት እናተበገሱ እውን እዩ ዓብዩ። እዚ ትርጉም ኣለዎ ዋላ ንዓና እውን።

ናብ ዓድና እንትንመፅእ ድማ፤ ርኢኻ እቲ ናይ ዓድና ፖለቲካል ኮንቴክስት ድሕረ ባይታ ሕልኽልኽ ዝበለ ክኸውን እዮም ዝገብርዎ። ብጣዕሚ ኮምፕሌክስ እዩ። ብመሰረቱ ግን ብዘይካ ዴሞክራሲ ልምዓት ክመፅእ ኣይክእልን። እንተመፀ እውን ግን ከምቲ ዝተብሃለ ተመሊሱ ዝፈርስ እዩ ልምዓት እዩ ዝከውን። ስለዚ ኩሉ ጊዜ ሓደ ስጉሚ ንቅድሚት ክንክይድ እንተለና ፈለማ ክንገብሮ ዘለና እታ ስጉሚ ንሳ ንድሕሪት ከምዘይትምለስ ርግፀኛ ምኳን ኣድላይት እያ። ንሳ ናይ ምግባር ስራሕ እያ እታ ቀንዲ።

ሕዚ ዘለናዮ ደረጃ ቀሊል ኣይኮነን። ገሊኦም ኣተሓሳስባታት ማዕበላት ዝመስሉ፣ መፍራሕቲ ዝመስሉ ነገራት ንዓይ ዕድላት እዮም ኢለ እየ ዝሓስብ። ምሕሳብ ጥራይ እዮም ዝጠልቡ ኢለ እየ ዝኣምን። ስለዚ ጥቕልል ኣቢልካ ልምዓት ጥራይ ንግበር እሞ ዳሕራይ ናብ ዴሞክራሲ ክንኣቱ ። ኣይፋል ዲሞክራሲ ፈለማ ገለ ዝብሃል ዘስርሕ ኣይመስለንን።

ቁጠባዊ ዕብየት ኣሎ፤ ንሱ ግን ልምዓት ከምፅእ ኣይከኣለን ዝብል ኣሎ ኣብ ዓድና። እቶም ናይ መሰረተ ልምዓት ስራሕቲ ገለታት ፅቡቕ ተሰሪሑ እዩ። ግን ካብቲ ዝተሰርሐ  ስራሕ እውን መን ይጥቀም ዝብል ሕቶ ኣሎ። ምስ ክፍፍል ሃፍቲ ተኣሲሩ ማለተይ እየ። ብስሩ እውን ካብዚ ዝጥቀም ዘሎ ትግራዋይ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እውን ሓደ ሓደ ነገር እንተትብል?

ኣብ ዕብየት ወይ ኣብ ልምዓት ክልተ መሰረታዊ ዝኾኑ ነገራት ኣለዉ። እቲ ሓደ ባዕሉ እቲ ዕብየት ክመፅእ ምኽኣል እዩ። ዕብየት ምምፃእ ማለት ኣሰራርሓኻ ውፅኢታዊ ምግባር ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ  the best use of resource ማለት እዩ። እዚ ድማ ብሃፍቲ ክፍፍል ክዛባዕ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ the best use ክትብል እንተለኻ ስክ ኢልካ ኣይኮነን። ዝሓሸ ዝተምሃረ ሰብ ይደሊ the best use ንክህሉ፣ ዝሓሸ ከባቢ፣ ዝሓሸ ቅሩብነት ስራሕ ወዘተ ስለዚ እዚ ክትገብር እንተለኻ ናይ ግድን እዩ ናብ ሓደ ገፅ ከዘንብል። ከምዚኦም ዝበሉ ኣካላት ናብቲ ስርዓት እንትኣትዉ (ስለዝጠቕሙ) ንሳቶም ድማ ካብቲ ሃፍቲ ንሱ ተጠቀምቲ ዝኾኑሉ ዕድል ክህልው ይኽእል እዩ። ስለዚ ነቲ ዋና ዕላማኻ ክትብል ኢኻ ነቲ ዝኾነካ ሰብ እተእትዎ እሞ ንሱ እውን ዝጥቀም። ካብዚ ዝምንጩ ምዝባዕ ሃፍቲ ክፍፍል ክህሉ ይኽእል።

ኣብዚ ናይ መንግስቲ ኣድላይነት ኢኻ ትርኢ። መንግስቲ the best use of resource ክህሉ ይፅዕር። እዚኣ እንትገብር ድማ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ሓሚቑ ሰብ ከይጉዳእ ይከላኸል። እዚ ኣመዓራሪኻ ናይ ምኻድ ስራሕ እዩ ናይ መንግስቲ ዝራሕ ዝብሃል። ዝንጠባጠብ ከይህሉ ይሓስብ። ኮራያይ ከይህሉ እውን ይሓስብ ማለት እዩ መንግስቲ። እዚ ንምግባር ዘድልዩ መስርሓት ድማ ኣለዉ። እቲ ውፅኢት በቲ ኣተገባብራ እዩ ዝውሰን።

ናብ ናትና ጉዳይ ክንመፅእ እንተለና ቅድም ኢሉ ኣፍሪካውያነ ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ኣብ ሕርሻ ማእኸል ዝገበረ ኢንቨስትመት ክህሉ ዝጠልብ ስምምዕ ነይሩ፤ ብወሑድ 10% ናይ ጂቲፒ ኣብ ሕርሻ ነውዕሎ ዝብል ስምምዕ እዩ።  ኩለን ከምኡ ኣይገበራን። ሃገርና ካብተን ክልተ ወይ ሰለስተ ነዚ ብኣግባቡ ዝፈፀማ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ እያ። እዚ ቀሊል ቆራዕነትt ኣይኮነን። እዚ ማለት ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ሕርሻ ክሳተፍ እናተገበረ እናተደገፈ እዩ ነይሩ ማለት እዩ። ስለዚ እዚ ብገፊሑ ኢንቨስት ዝተገበረሉ ዓውዲ፤ ሰፊሕ ህዝቢ ዝሓዘ ስለዝኾነ እቲ ክፍፍል ሃፍቲ ሕማቕ ኣይኮነን ኢልካ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ግን ካብ ሕርሻ ናብ ኢንዳስትሪ ክትሰግር ከለኻ እቲ ክፍፍል ይቕየር እዩ። ናይ ታክሲ ፖሊሲ፣ ልቓሕ፣ ዕድላት ናይ ምፍጣርን ዘይምፍጣርን ጉዳይ፣ ወዘተ ሓያል ስራሕ ዝደሊ እዩ። ሕዚ ኣብኣ ኢና ዘለና ንሕና። ስለዚ ገሊኡ ጫውጫው እውን ካብኡ ዝመፀአ እዩ። ብናይ ኢኮኖሚ መዐቀኒ ከመይ ትርእዮ እሞ እዚ እንተኢልካኒ ኢትዮጵያ ገዚፍ ዝብሃል income distribution gap ኣለዋ እትብሃል ሃገር ኣይኮነትን። ከምኡ ናይ ምግጣም ዕድል ግን ኣሎ። ከም በዓል ብራዚል ሜክሲኮ ናይ ምዃን ዕድል ኣሎ። ገሊኡ ሃፍታም ኣብ ሰማይ ገሊኡ ድኻ ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት ከንብር ዝኽእል ዕድል ኣሎ፤ ዕፅው ኣይኮነን። ናይዚኦም ተርእዮታት ኣለዉ። ሕብረተሰብ ውፅእ ዝበለ ሃፍቲ ዘለዎም ኣካላት እንትርኢ ጫውጫው ክብል ግድን እዩ። ግን ድማ እዞም ኣካላት እዚኦም ክህልዉ ኣለዎም ዶ የብሎምን ክህልዉ እዩ ዘለዎም። ጠቐምቲ እዮም ብጣዕሚ። ከምዚኦም እንተዘይሃልዮም ናብቲ ካልእ ዝንጠብጠብ/ትሪክል ዳውን ዝገብር ኣይህሉን። ብስሩ እኮ ሃፍታም እንተዘይሃልዩ ድኽነት ምክፋል ማለት እኮ እዩ። ስለዚ ከም ሃገር ለውጢ ዝፈጠሮ ኣፈላላያት ኣሎ እዩ። ከም ሓደጋ ክፍፍል ሃፍቲ ዝውሰድ ግን ኣይኮነን፤ ብውሑድ ክሳብ ሕዚ። መአረምታታት እናተገበረሉ እንተኸይዱ እውን ክስተኻኸል ዝኽእል እዩ።

ሕዚ ዝወፅኡ ዘለዉ ስርሓቲ ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ማኒፋክቼሪንግ ኢንቨስት ምግባርን ነዚ ምትብባዕን ብዙሕ ሰብ ስለዝቖፅሩ ከም ሓደ ሃፍቲ ክፍፍል ዝረጋገፀሎም ዓውድታት ምውሳድ ይከኣል እዩ።  ስለዚ እቶም ምርጫታት ኢንቨስትመንትና ፅቡቓት እዮም ዝመስሉ። ስለዚ እቲ ሽግር ዘስግእ ዘይኾነሉ ዕድል ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

እቲ ናይ ተጋሩ ሕልፊ ተጠቃምነት ዝብል ንዓይ ፖለቲካል እዩ።  ኢኮኖሚ መሰረት ዘለዎ ኣይመስለንን። ሓደ ብዛዕባ ተጋሩ ክነውግዕ እንተለና ብዛዕባ መን ነውግዕ ከምዘለና ንፈልጥ ኣይመስለንን። ብዛዕባ ሕልፊ ተጠቃምነት ተጋሩ ክነውግዕ እንተለና ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓሙሽተ፡ ሽድሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኢና ነውግዕ ዘለና። እቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ምስቲ ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትወዳደር ከመይ ይነብር ኣሎ? እዩ እቲ ሕቶ ክኸውን ዘለዎ። በዚ መንፅር ክንርእዮ እንተለና ትግራይ ካብቲ ሕዚ መፂኡ ዘሎ ለውጢ ብዙሕ ተጠቒማ እያ ዝብል እምነት ኣይብለይን። እኳደኣስ ኣነ ብዙሕ ኣይተጠቐመትን ምስ ዝብሉ እየ። ነዚ ምኽንያት ኣለዉኒ። ኣመዳድባ በጀት ሓደ ጉዳይ እዩ። ምስ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሓደ ዓብዪ ጉዳይ እዩ። uncertainties ኣለዉ ኣብቲ ኸባቢ። ናይ ምሕደራ ፀገማት ኣለዉ።  ኣብ ኢንቨስትመንት ዝተኸዱ ክያዶታት እውን ምውሳድ ትኽእል። ስለዚ ዝበዝሕ ዝሰልጠነ ዝብሃል ሓይሊ ሰብ ትግራይ ኣብ ትግራይ ኣይኮነን ዘሎ። ዘዝተመሃረ ይወፅእ እዩ ዘሎ። ከምዚ ብምዃኑ እቲ ካልእ እሞ ግደፎ እቲ ናይ ባዕሎ ሃፍቲ እውን ኣብ ምጥቃም ትሑት ደረጃ እዩ ዘሎ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ለውጢ የለን ማለት ኣይኮነን፤ ለውጥታት ኣለዉ። ግን ብሃገር ደረጃ እንትወዳደር ትግራይ ሕልፊ ትጥቀም ዝብል ካብ ወረ ዝሓለፈ ትርጉም ኣይህበንን።  ካብ 5 ሚልዮን ህዝቢ እቲ 1 ሚልዮን ዝኸውን ኣብ ሰፍቲኔት ዝተፀገዐ ህዝቢ ሒዝካ ዝሓሸ ተጠቃምነት ኣሎ ምባል ንዓይ ብዙሕ ትርጉም ኣይህበንን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ክልተ ሰለስተ ህንፃታት ርኢኻ ትግራይ ሕልፊ ኣለዋ ምባል ዘኽይድ ኣይመስለንን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን እንተኾነ እንተዝፅብፀብ እቲ ናይ ትግራይ ኢንቨስትመንት ዝዓቢ ኣይመስለንን። ስልሒታት እውን ኣለዉ ከምኡ ዘይምዃኑ ዘርእዩ። ነዚ እውን እዩ ኢኮኖሚ ኣይኮነን፤ ፖለቲካ እዩ ዝበልኩኻ።

መንግስቲ ናይቲ ኢኮኖሚ ኣንቀሳቓሳይ ብምዃኑ ሃፍቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ክእከብ ገይርዎ እዩ። ሃፋትም ድማ ናብቲ ማእኸል ክውሕዙ ገይሩ እዩ። ንሱ ዘለዎ ተፅዕኖ ምስኡ ተኣሳሲሩ እትብሎ እንተሃልዩካ?

ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። እዛ ሃገር ፌደራል ስርዓት እያ እትኽተል። እዚ እናተኸተለት ግን እቲ ናይ ኢንቨስትመት ኣካይዳ እዛ ሃገር  ፌደራል ኣይመስልን። ናብ ማእኸል ዘትኮረ ይመስል። ኣብ መጀመርታ ከባቢ ብዙሓት ነገራት ደፊኦምዎ እዮም ከምኡ ክኸውን። ሓደ ዕድል ስለዘሎ እዩ፤ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ። ፖለቲካል ምኽንያታት ኣለዉ። ካልኣይ ብሃበ ተረኽበ ዝተወሰኑ ውሳነታት ዝፈጠርዎ እውን እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገበሩ ኢንቨስትመንታዊ ስርሓቲ ነቲ ፕራይቬት ኢንቨስተር እውን ናብኡ ክስሓብ ገይርዎ እዩ። መንግስቲ እውን እቲ ዝልዓለ ኢንቨስተር ስለዝኾነ ኣብኡ ኢንቨስት ክገብር እዩ ተራእዩ። መንግስቲ ዝልዓለ ገንዘቡ ዘፍስስ ኣብኡ እዩ። እዚ ዝፈጠሮ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ ናይ ሃፍቲ ምትእኽካብ ክህልዋ ገይርዋ እዩ። ዲቨሎፕመንት ኢኮኖሚክስ ሰባት ካብ መብራህቲ ዘይብሉ ናብ መብራህቲ ዘለዎ እዮም ዝስደዱ እዩ ዝብል። ኣቕልል ኣቢሉ ከቕምጥ ከሎ ማለት እዩ። መብራህቲ ማለት በዚ ስፍሕ ዝበለ እዩ። እቲ ከባቢ ንማለት እዩ። ናብ ምችው ከባቢ እዩ ዝኸይድ! ስለዚ ዝሓሸ ከባቢ ናይዛ ሃገር ኣዲስ ኣበባ እናኾነ መፂኡ። ካብዚ ዓብዪ ትምህርቲ ክውሰድ ዝክእል እዩ ዝመስለኒ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ኣዲስ ኣበባ ገለ ዝብሃል ሕቶታት ንዓይ irrelevant እዩ። በዚ ኩነታት እዚ ዝተፈጠረ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ኢንቨስትመንት ዝፈጠሮ ሕቶ እዩ። እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ናይ ሃፍቲ ምትእኽኻብ ዘምፅኦ እዩ፤ ስለዚ እታ ሃገር ባዕላ ዝፈጠረቶ ሕቶ እዩ ኢለ እየ ዝወስድ።

መፍትሒኡ እቲ ቅድም ኢለ ዝበልክዎ እዩ። እዛ ዓዲ ፌደራል ስርዓት እያ እትኽተል፤ ስለዚ እዚ ኣብ ቁጠባ እውን እዩ ክሰርሕ ዘለዎ። ፌደራል ስርዓት ማለት ክልላት ናይ ባዕለን ልምዓት ባዕለን ክውስና ምፍቃድ ማለት እዩ። እዚ ተመኵሩ እዩ። ክንድቲ ዝድለ ኣብ ከካብ ከባቢኡ ገዚፍ ለውጢ ክመፅእ ዘኽእል ስራሕ ግን ውስንነት ነይርዎ ኢለ እየ ዝወስድ ኣነ። ብሓፂሩ ካልኦት ኣዲስኣበባታት ምፍጣር ይከኣል ነይሩ እዩ። ባህርዳር፣ መቐለ፣ ሃዋሳ፣ ድሬዳዋ ጥቓጥቓ ኣዲስ ኣበባ እንተዝመፃ ኣዲስ ኣበባ እዚ ዝብሃል ትርጉም ኣይምሃለዋን እቲ ፀገም እውን ኣይምተፈጠረን። ሕዚ ዋና ከተማታታት እየ ጠቒሱ፤ እቲ ነገር ግን ልዕሊኡ እውን ክኸይድ ይኽእል እዩ።

ካልእ ዓብዪ ሕቶ ድማ ኣሎ። ህዝቢ ዲኻ ናብቲ ልምዓት ዘለዎ እትወስዶስ ወይስ ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ኢኻ ክትወስዶ ዘለካ እቲ ልምዓት? እንታይ ማለት እዩ እዚ? እንተኢልካ መንግስቲ ዓብዪ ኢንቨስተር ስለዝኾነ ብውሑድ እውን facilitator ስለዝኾነ ነዚ ነገር እዚ ብወሳናይ መልክዑ ይውስኖ እዩ። ክሳብ ሕዚ ብዘለና ኣካይዳ ህዝቢ ኢና ናብ ከተማ ነእትው ዘለና። ህዝቢ ናብ ከተማ ክፈልስ እዩ ዝገብር ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣሰራርሓ።  ኣብ ዘዘለዎ ናይ ዕብየት ስሕበት ክፈጥር ዕድል ክፈጥር ዝገብር ስራሕቲ ሕዚ ዝተመከሩ ኣለዉ፤ ፅቡቕ እንተኸይዶም። እቶም ኢንዳስትሪ ፓርክታት ማለተይ እየ። እዚ ዓብዪ ቁጠባዊ ትርጉም ኣለዎ። ፖለቲካዊ እንደምታ እውን ኣለዎ። ናይ ሃገር ናይ ምርግጋእን ዘይምርግጋእን ዕድል እውን ይውስን።

መቐለ እንድሕር ጥቓ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ ኮይና ሃዋሳ እውን ከምኡ እንድሕር ኮይና ኣዲስ ኣበባ ጫውጫው እንተበለት ንመቐለ ወይ ንሃዋሳ እንታይ የገድሳ? ኣብ ካልኦት ዓድታት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ዋሽንግተን ዕግርግር እንተሃልዩ ኣብ ኒውዮርክ ሰላም እዩ። ብዜና እዮም ዝሰምዕዎ። ዘይሩ ዘይሩ ናይ ኒውዮርክ ኣጀንዳ ክኸውን ኣይኽእልን፤ ብርግፅ ናይ ሃገር ኣጀንዳ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከገድሳ እውን ኣይኽእልን ኣይኮነን ግን ከም ሃገር ናብ ዕግርግር ዘእትው ክኸውን ኣይኽእልን። እቲ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ዕግርግር ግና ኣብኡ ተጀሚሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን ክኣትው ዝኽእል እዩ ነይሩ።

ልምዓት ንምምፃእ ዘለዉ ኣተሓሳስባታትን መንገድታትን ኣውጊዕና ኣለና። ናይ ልምዓት ሃፍታት ዝብሃሉ መሬት፣ ጉልበትን ካፒታልን እዮም ኢልና ኢና። ፋይናንስ ግን ኣብ ፌደራል እዩ ዘሎ። ካብ ኢድ እተን ፌደራላዊ ክልላት እዩ ዘሎ። ንኣብነት ትግራይ መሬት ኣለዋ። ሓይሊ ሰብ እውን ኣለዋ። እቲ ሳልሳይ ግን ከድልያ እንተሎ ኣብ ኢዳ ስለዘየለ ናብ ፌደራል እያ ክተንቀዓርር። ንሱ ድማ prioritize እዩ ክገብር። ንኣብነት ሕርሻ እየ prioritize ዝገብር ክብል ይኽእል እዩ። ትግራይ ድማ ሕርሻ ኣይኮነን ፕራይሮቲኣ። ናብ ትግራይ ክኣቱ ስለዝደለኹ እየ እዚኣ ዘልዕላ ዘለኹ። ስለዚ ፌደራል መንግስቲ ወናኒ  ፋይናንስ ምዃኑ ምስኡ እውን እቶም ዓበይቲ ኢንፍራስትራክቸር እውን ኣብ ኢዱ እዮም። ንኣብነት መብራህቲ ቴሌ ፌደራል እዮም። እዚ ከመይ ገይርካ እዩ ከም ክልል ብሙሉእ ዓቕምኻ ናብ ልምዕዓት ክትኣቱ ዝገብሩኻ?

ሕቶኻ ቴክኒካሊ fisical decentralization ዝምልከት እዩ፤ ብጣዕሚ ፅቡቕ ሕቶ። ፌደራል መንግስቲ ዝመርሖ ሃገር ኣለና። ኣታዊኡ ብዋናነት ታክስ እዩ። ካብ ካልእ ዝርከቡ እውን ኣለዉ። ካብ መዓድን ገለ! ካብዚኦም ናብ ፌደራል ዝእከብ ሃፍቲ መሊሱ ብመሰረት prioritization allocate ይገብር ማለት እዩ። ንክልላት ክህብ እንተሎ ቀመር ኣሎ ብኡ መሰረት እዩ ዝህብ። ብፌደራል ዝስርሑ ስርሓቲ እውን ፈልዩ ኣቐሚጡ እዩ።

ስለዚ ፈለማ ክርአ ዘለዎ ንምንታይ እዩ ኣብ ፌደራል ክኸውን ተደልዩ ዙ ፋይናንስ ዝብል እዩ። the rational behind እዩ ክርአ ዘለዎ። እዛ ሃገር እዚኣ ዘይፋለጣ ከባቢታት ዝሓዘት ሃገር እያ። ሓደ ዓብዪ ሓደጋ ዝነበረ ናይዛ ሃገር፤ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ፖለቲካዊ ምትእስሳር ስለዘይነበረ፤ ህዝቢ ንህዝቢ ናይ ምርካብ ዕድል ስለዘይነበረ ብመሰረቱ እቲ ህዝቢ ኣይፋለጥን ነይሩ። ሓደ ሃገር ናይ ምፍጣር ስራሕ ክትሰርሕ እንተኮይንካ one economic space ናይ ምፍጣር ስራሕ የድሊ። እዛ ቃል እዚኣ ብጣዕሚ ዝፈትዋ ናይቲ ሕገ መንግስቲ ቃል እያ። ሓደ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ምፍጣር! እዚ ኣብ ውሽጢ ዘይተማእኸለ ስርዓት ዝተማእኸለ ስርዓት ፋይናንስ ክህልወካ ግድን ይኸውን። ተዘይኮይኑ ኣብ መንጎ ከባቢታት ንግዲ ክትፈጥርን ናብ ሓደ ክተምፅኦምን ኣይትክእልን። እዚ ብስነ ሓሳብ ደረጃ እዩ። መበገሲኡ እዚ እዩ። ብተግባር መዓት ፀገማት ኣለዉዎ ብርግፅ።

እቲ ፌደራል መንግስቲ ክእክብ እንተሎ ስኽ ኢሉ ይእክብ እሞ allocate ክገብር እንተሎ ድማ ብመዐቀኒታት ኣቢሉ ይብትን። ብካልእ ገፁ ድማ ንክልላት ስልጣን ሂብናየን ዝብል እኒሀ። ኣብዚ ዘይምምጥጣን ዘሎ ይመስል። ብመሰረቱ ምስቲ ሕገ መንግስቲ ዝጋጮ ኣይኮነን። ግን ኣብ ዝርዝር ክትመፅእ እንተለኻ ዝመፁ ፀገማት ግን ኣለዉ።

ኣብ ትሕቲ እዚ ዘሎ ኩነታት ኮይንና ኸ ክንገብሮ ዝግባኣና ዶ ንገብር ኣለና። እንትጅምር ሓደ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ምፍጣር እንተተዓዊቱ ረብሓታት ኣለዉዎ እዮም። ኣምሓራን ትግራይን ዘራኽብ ፅርግያ ፌደራል እንተዘይሰሪሕዎ ትግራይ ኣይሰርሖን፤ ኣምሓራ እውን ኣይሰርሖን። እዘን ክልላት እዚአን ግን ክራኸባ ኣለወን። ኩለን ክልላት ክራኸባ ክኽእላ ኣለወን። እዚእንድሕር ዘይገይርና ሓደ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ክመፅእ ኣይክእልን። ፅርግያ፣ ኤሌክትሪሲቲ፣ ስልኪ ካልኦትን ከምኡ እዮም ዝስርሑ።

ካልእ ክርሳዕ ዘይብሉ ወሳኒ ነገር ድማ ብጥሙር ኢኮኖሚ ሒሳብ መሰረት ኩሉኽን ክልላት ነናይ ባዕልኽን ኤሌክትሪክ ባዕልኽን ኣእትዋ ኢልካየንን ብፌደራል ደረጃ ብሓደ ጊዜ ክስራሕ ምኽኣልን እቲ ዘዋፅእ እቲ ካልኣዋይ እዩ። ምኽንያቱ ምድግጋም እኳ ኣይህሉን። ኣብ ኦሮምያ ዘጥረካዮ ሓይሊ ንኩሉ ክትጥቀመሉ ትክእል ኢኻ። ትግራይ ዘሎ ናይ ንፋስ ሓይሊ ካልኦት ክልላት ክጥቀማሉ ይክእላ እየን። እዚ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ። ከም ሃገር ብሐደ ምሕሳብ እውን የኽእል።

ናብ ዝርዝር ክትኣቱ እንተለኻ ግን ክልላት እውን ዝተወሰነ ናፅነት እንተዝህልወን ዝብል ይወስድ። እቲ ንክልል ዝውሃብ ድጎማ ድዩ ዋላ በጀት ክልተ ዕላማታት ኣለዉዎ። ሓደ እቲ ንደመወዝን ንካልእን ዝጥቀማሉ ሪካረንት በጀት ዝብሃል እንትኸውን ካልኣይ ድማ ካፒታል በጀት ዝብሃል እዩ። እዚ ንቪንቨስትመት ዝጥቀማሉ እዩ። እቲ ቀዳማይ ንኮንሳምፕሽን እዩ። እቲ ካፒታል ግን እታ ክልል felixibly ክትጥቀመሉ እትኽእል እዩ። ንዕኡ ዝጥቀማሉ ፎርሙላን ኣሰራርሓን ወሰንቲ እዮም። ኣብኡ ክንደይ ዝኣክል ከይድና ዝብል ወሳኒ ሕቶ እዩ። መፅናዕቲ እውን ዘድለዮ ይመስለኒ። ካብኡ ዝሓለፈ ግን ንዓይ ሓንቲ ክልል ካብቲ ናይ ፌደራል ውህብቶ ንላዕሊ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዕድላት ናይ ምጥቃም ወሳኒ እዩ እብል። እዚ ካብቲ ናይ ፌደራል ንላዕሊ እዩ። ብዙሕ እዩ ድማ ዘሎ። መሬት ኣሎ። ሃፍቲ ሰብ ኣለና። ካፒታል ‘ዉን እቲ ናይ ፌደራል ጥራይ ኣይኮነን።

ልቓሕ እየ ዝብል ዘለኹ ዶክተር፤ ካብቲ ብፌደራል ዝውሃብ ካፒታል በጀት ንላዕሊ እየ ዝብለካ ዘለኹ። ንኣብነት ልቓሕ ኣብ ምርካብ ከም ክልል?

ንሱ ፋይናንስ እዩ። ብክልል ደረጃ ዝግበር ናይ ፋይናንስ ስራሕ ልቓሕ ወዘተ ክፉት እዩ። ንዘደለኻዮም ዕድላት ዘዋፅእ ኢንቨስትመንት ናይ ግድን ኣይኮነን ብመንግስቲ ክኸውን። ንውልቀ ትካላት ድማ እቲ ዕድል ልቓሕ ኣሎ እዩ ኣብ ክልላት። ግን ልዕሊ እዚ እውን ክኽየድ ይከኣል እዩ።

ክልላት ብኢድ ፌደራል ተኣሲረን ክኸዳ ግን ኣይድግፍን ኣነ። ብፌደራል ደረጃ ዝወፀ ፖሊሲ ኩላትና ብኡ ክንከይድ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክትግበር እዩ ዝድለ ዘሎ። ፖሊሲታት ፌደራል መሬት ምንም ኣፈላላይ ኣይብሎምን። ፖሊሲ ሕርሻ፣ ፖሊሲ ኢንዳስትሪ ኩሎም ከምኡ እዮም።

እሞ እዚ ትኽክል ድዩ?

ኣይኮነን። ፌደራሊዝም ማለት ብኡ ዝወፀ ሓደ ፖሊሲ ኣይኮነን ዶ ናብ ክልል ናብ ወረዳ እውን እዩ ፈላሊኻ ክወርድ ዘለዎ። ከከም ከባቢኡን ኩነታቱን እዩ ክትርጎም ዘለዎ። ፌደራሊዝም ማለት እንኮላይ ናይ ውሳነ decentralization እዩ ዝሓቁፍ። ኣብ ትግራይ ዝሓስቦ  ኣነ፤ ኣብ ካልእ እውን ከምኡ ክኸውን ዝምነዮ ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ እውን እዩ ከፈላለ ዘለዎ። ወረዳ ናይ ባዕላ ፖሊሲ ክህልዋ ኣለዎ። ናይ ባዕላ prioritization እዩ ክህልዋ ዘለዎ። እንተደሊኻ እውን ልምዓት ክትሓስብ እንተለካ a villiage at a time እዩ ክሕሰብ ዘለዎ ብስሩ። ወረዳ ምሉእ ክነልምዕ እንተዘይክኢልና ኣብታ ወረዳ ኣብ ሓንቲ ቦታ እታ እንኽእላ ኣድሚና ኢና ክነልምዓ ዘለና። focus የድሊ። ህዝቢ ኣብ ምርጫ ቀደማይነት/ፕራዮሪቲ ክሳተፍ ኣለዎ። ኢንቨስትመንቱ ክመርፅ ይግባእ። ካብኡ ተበጊሱ ውሳነታቱ ተጠሚሩ ንላዕሊ ዝኸይድ እምበር ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝከይድ ዓይነት ፖሊሲ ኣይኮነን ክህልወና ዝነበሮ ካብ መፈለምትኡ።

ከም መሪሕ ሓሳብ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዳስትርያላይዜሽን ምባል ምንም ፀገም የብሉን። እዚኣ ከመይ ገይረ ክትግብራ ኣብ ዝብል እዩ ኣፈላላይ ዝፍጠር ዘሎ። ኣብ ገጠር ኣብታ ሕርሻ እንታይ ዓይነት ስራሕ ኣላ? ነየናይ ቅድምያ ክንህብ ኣለና? ዝብል እዩ ክቕድም ዘለዎ። እዚ ኣይግበርን ዘሎ ኢለ እየ ዝኣምን። ኩሉ ኣካይዳ ፖሊሲታትና ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እምበር ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣይኮነን።

ሕራይ ብዛዕባ ፖሊሲ ልምዓትን ኣዋጊዕና ኣለና። እቲ ፖሊሲና ድኽነት ምጥፋእ እዩ ዝብል ቀንዲ ዕላምኡ፤ pro poor እዩ። ኣብ ቀረፅ፣ ኣብ ግምሩክ ወዘተ መፂእኻ ድማ ነዚ ዝቃረን ነገር ኢኻ እትዕዘብ። ክትልቃሕ እንተደሊካ ኮላተራል የድልየካ። ካብ ደገ መኪና ክተምፅእ እንተደሊካ ክሳብ 300% ቀረፅ የኽፍለካ። እቲ ሃፍታም ግንናፃ ቀረፅ እዩ ዘእትው። ንስካ ተማሂርካ ንእግርካ መኪና ሒዝካ እንትትኣትው ክንድኡ ዝኣክል ፐርሰንት ትቕረፅ። እቲ ግን ብግልባጡ ማለት እዩ። እንታይ ማለተይ እየ እንድሕር ሃፍቲ ሃልዩካ ዝሓሸ ዕድል ትረክብ ዓይነት እዩ ዘሎ እቲ ኣካይዳ። ስለዚ እቲ ላለው ይጨምረልታል ዓይነት ኣካይዳ ከመይ ኢኻ እትርእዮ?

ኣብዚኣ እውን ፈለማ conceptually እቲ ሓሳብ እንታይ እዩ ዝብል ክንርኢ ኢና። ብካልእ እውን እቲ ናይ ትግበራ ኩነታቱ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ፖሊሲ ንድኻ ዝወገነ እዩ ክብሃል እንተሎ fashion of the day ስለዝኾነ ኣይመስለንን። ኢህወደግ ካብ ገጠር ዝመፀ ውድብ እውን ምስቲ ምዃኑ ኣብኡ እናረኣይዎ ዝመፁ ምናልባት እውን ቀዲሙ ኣብ ኣይዶሎጂኦም ዝነበረ ስለዝኾነ ምስኡ ዝተሓዝ እዩ። ዝበዝሕ ህዝቢ ድኻ ስለዝኾነ ስለዚ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ክጥቀም ንምስራሕ እዩ pro poor ፖሊሲ ተሃኒፁ። ገና ንገና ንምጥንቃቕ እዩ ከምኡ ዝበለ ፖሊሲ ተሃኒፁ።

ካልኣይ ጉልበት ሓደ መበገሲ ሃፍቲ እዩ ኢልና ኢና። እቲ ዝበዝሕ ጉልበት ድማ ኣብቲ ድኻ እዩ ዘሎ። ስለዚ ክትለምዕ ተደሊኻ ዚ ክትጥቀም ኣለካ። ስለዚ ኮንሰፕችዋሊ ምንም ፀገም ኣይብሉን።

ኣብ ከይዲ ግን እቶም መጀመርታ ፅቡቕ መበገሲ ዝነበሮም ዳሕራይ ዝተበላሸዩ ኣሰራርሓታት ድማ ኣለዉ። ሓደ ካብዚኦም እዚ ናይ ታክሲ ፖሊሲ እዩ። ብዕላምኡ እንተርእይኻዮ ኢንቨስትመንት ንምትብባዕ ስለዝኾነ ፅቡቕ እዩ። ንሃፋትም መኪና ብዘይቀረፅ ከእትዉ ምግባር ተተባብዖ ኢኻ ዘለኻ።  ሕርሻ ክዓብየልካ ትደሊ ኣለኻ። ስለዚ ነቲ ኣብዚኣ ዝነጥፍ ኣካል ክተተባብዖ ኣለካ። መበገሲኡ ንሱ እዩ። ክተባባዕ ኣለዎ። ብኣተሓሳስባ ደረጃ ትኽክል እዩ።

ኣብ ተግባር ግን ብዙሓት መምለጢታት ኣለዉ። ሰባት ብዘይኣግባብ ክጥቀሙ ዝገብሩ እዮም። እዚ ዝፈጥሮ ዘይሚዛናዊ ዝኮነ ነገር ኣሎ። ንኹሉ ሰብ ናፃ ቀረፅ ክፍቀድ ዶ ነይርዎ ዝብል እንተሓቲትካኒ ግን ኣብ ሓደ እዋን ናብ ደረጅኡ ክወርድ ኣለዎ ዝብል ግምት ኣለኒ። ሕዚ ከምኡ ዘይኮነሉ ምኽንያታት ግን ይርኣየኒ እዩ። ሓደ ምኽንያት መጀመርያ ከም ኣታዊ እዩ ቀረፅ። ካልኣይ ድማ ኩሉ ሰብ መኪና ከእትው እንተዝብል ፎረይን ካረንሲ እውን ኣይክህልወናን። ረሺን እዩ ዝኸውን እንድሕር ሃህ ኣቢልካዮ። ቁሩብ ዶላር እየን ዘለዋ እዚአን በዚ ዘይብሃል ቶናት ሓፂንን ገለን ኢና ነእትወለን ዘለና። እዚ ኹሉ ግድባትን ድልድላትን ዝስራሕ ዘሎ ካብ ደገ ብዝመፅእ ጥረ ኣቕሓ እዩ። ስለዚ ይጎድኦ እዩ ነቲ ኢኮኖሚ፤ ንኩሉ ብናፃ ቀረፅ ኣእትው ምባል። እዚ ዝብሃል ኤክስፖርት ድማ የብልናን። ስለዚ ኣይማጣጠንን። ስለዚ መንግስቲ እንታይ ገይሩ፤ ንኩሉ ምሃብ ስለዘየዋፅእ ኣበዛ ሴክተር እዚኣ ኣብዛ ሴክተር እዚኣ ንዝሰርሑ ንሃብ እሞ ንሳቶም ድማ ክሕግዙ እዮም ናብ ዝብል እዩ ኣትዩ። ስለዚ ብኣተሓሳባ ትኽክል እዩ ፤ efficient way of doing things ድዩ ዝብል ግን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። ክሕሰበሎም ዘለዎ ነገራት ኣለዉ ኢለ እየ ዝኣምን።

ምስ ኤክስፖርት ኢንፖርት ተኣሳሲሩ፤ መንግስቲ ኤክስፖርት ከተባብዕ ኢሉ ዶላር ይህቦም እዩ። ቀደም 100% ነይሩ ሕዚ 50% ኮይኑ መሰለኒ። እዚ ንምርካብ ግን ከሲሮም ኤክስፖርት ዝገብሩ ኣለዉ። ሰሊጥ ኣብነት ምውሰድ ይከኣል። ሃርድ ካረንሲ ንምርካብ ትሕቲ እቲ ዕዳጋ እናሸጡ ይርከቡ። ከመይ እዩ እዚ?

ትኽክል ኢኻ። ኣብ ሰሊጥ ጥራይ እውን ኣይኮነን። ኣብ ቡና እውን ኣሎ ብዓይብይኡ። ፍልፍል ሃርድ ካረንሲ እዛ ዓዲ ካብ ቡና፣ ካብ ሰሊጥን ካልእን እዩ። ናይ ቡና ኤክስፖርት ብመጠኑ ኣይቀነሰን። ብ value እዩ ቀኒሱ። በዚ ክንረክቦ ዝነበረ ሃርድ ካረንሲ ኣይንረክብን ዘለና። ኣሕሲርካ ካብ ምሻጥ ዝመፀ ፀገም እዩ እዚ። ሕዚ ሓደሓደ ትካላት ቡና ኤክስፖርተራት ብመሰረቱ ናብ ኤክስፖርት ዝኣተዉሉ ምኽንያት ኢንፖርት ንኽገብሩ እዩ። ዕላምኦም ኢንፖርት ንክገብሩ እዮም። እዚ ዘርእየካ ኮምፕሌክስቲ ናይቲ ፖሊሲ እዩ። good intenstions ናብ ሕማቕ ክኸዱ እንተለዉ እዩ ዘርኢ። ኤክስፖርት ዝገብሩ ሰባት ኣለዉ። ክተባብዑ ኣለዎም። at the same time ኢንፖርት ይገብሩ እዮም። እዚኦም እንታይ ትገብሮም? ዕድል ትህቦም፤ ኤክስፖርት ይገብሩ። ድሓር ኣቕሓ ሒዞም መፂኦም ኣብዚ እንደገና ይሸጡ። በቲ ቅኑዕ መበገሲ ተለዓዒሎም ካልእ መስመር ይሕዙ። እዚ ዝገብር ዘሎ ግን እቲ ፖሊሲ እዩ። ንምስክካል ኣብቲ ፖሊሲ ኢኻ እትሰርሕ።

ብሓደ ወገን ኣነ እንድሕር ኤክስፖርት ትገብር ኮይንካ ኢንፖርት ኣይትገብርን ዝብሃል ቅኑዕ ኣይመስለንን። ኢፊሸንሲ እየ ዝሓስብ ኣነ። ስለዚ ኢንፖርት እንተገበረ እውን ሽግር ኣይብሉን እየ ዝብል። ግን ድማ እቲ ኤክስፖርት ዝገበሮ ንምክሕሓስ ዝገበሮ ካልእ ሕልኽላኻት እንተሃልዮም ፀገም እዩ። እዚ ብኣግባቡ ክርአ ኣለዎ። ካልእ ኢንሰንቲቭ ትህቦ እቲ  ናይ ኤክስፖርይ ኢንሰንቲቭ ገዲፍካ። ንኣብነት ቡና ኤክስፖርት ዝገብር ሰብ ትክክለኛ ኢንሰንቲቭ ዝመስለኒ ኣብ ቢሮክራቲክ activities speed up ምግባር እዩ። ምስ ሓረስቶት ናይ ምርካብ ስራሕ ትሰርሕ። ፅቡቅ ፍርያት ንክረክብ ምስ ሓረስቶት ትሰርሕ፤ምስኦም እውን ተራኽቦ። ኣብ value chain ትሰርሕ። ፅቡቕ ፍርያት ሒዙ ይወፅእ እሞ ኣብ ዓለም ዕዳጋ እውን ተጠላቢ ክኸውን ትሕግዞ። ሽዑ ሃገር ትጥቀም። እቲ ሕልኽላኽ በዚ ምቕናስ ይከኣል። እታ እትገብር ዘላ ኢንሰንቲቭ  more ምኻዳ እዩ ሕዚ ሽግር ዝኸውን ዘሎ። እታ ሃርድ ካረንሲ ንምርካብ እዩ እቲ ዘሎ ኢንሰንቲቭ። ኣበየናይ ብርኪ እየ ዝድግፍ ዝብል እዩ ክሕሰበሉ ዘለዎ እየ ዝብል ዘለኹ። ሲምፕሊስቲክ ኣተሓሳስባ እዩ እቲ ኣብታ ጫፍ ጥራይ ምሕጋዝ። ኣብ ሰሊጥ ዘፍሪ ሓረስታይ ከይተረፈ ታሕቲ ወሪድካ ምስራሕ ምሕጋዝ ይከኣል እዩ። ንሱ እውን እዩ ካብቲ ሕልኽላኻት ዘድሕን። ስለዚ ናይ ፖሊሲ ምርጫታት ኣቅሪብካ ካብኦም ምውሳድ እዩ።

ውራይና፦ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ስለ ዝኾነካን መብዛሕትኦም መፅናዕትታትካ እውን ምስ ዕቤት ቁጠባ፣ ሓፈሻዊ እንታይነት ልምዓትን ስግግርን (ትራንፎርመሽን) ስለ ዝኾኑ ኣብዙርያ እዙይ ኢና ክነዋግዕ። ብፉሉይ ድማ ኣብ ዛዕባ ልምዓት ትግራይ ክነድህብ ኢና። ስለዚ ዶክተር በቲ በለ በዚ ቁጠባዊ ዕብየት መፂኡ እዩ ኣብዛ ዓዲ ዝብል ዘሰማምዕ እዩ። ልምዓት ከ? ብዙሓት ምሁራን ኣይመፀን ዝበሉ ኣለዉ። ሕዚ መፂኡ ዶ ኣይመፀን ኣብ ዝብል ካብ እነዋግዕ መዐቀኒታት ልምዓት እንታይ እዮም? ብአኦም እንትልካዕ ኸ ኣበይ ኣለና ዝብል እንተርኣና?

ልምዓት ማለት ድምር ናይ ኢኮኖሚ ዕብየትን ካልእን እዩ። ስለዚ ቁጠባዊ ዕብየት ወሳኒ እዩ። ካልኣይ ድማ ድምር ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥታት ይሓቁፍ። እዚ ክመፅእ ኣለዎ። ቁጠባ ምዕቃኑ ቀሊል እዩ። ጥረ እውን ስለዝኮነ። ክትድምሮ እውን ስለእትኽእል። ንኣብነት ጂዲፒ ካልእ ኣሎ። እቲኦም ግን መዐቀኒኦም ይኸብድ እዩ። ብምዃኑ ልምዓት ወይ ምዕባለ ምዕቃን ግን ይኸብድ እዩ። ሕዚ ሕዚ HDI ዝብሃል መዐቀኒ መፂኡ ኣሎ። ምዕባለ ሓይሊ ሰብ ክንብሎ ንኽእል። ሓደ ካብቶም ብዙሓት እዩ እዚ። ብመሰረቱ ግን እንታይ ኢና ንብል ዘለና ኣብ ሁዩማን ዲቨሎፐምነት ዝመፀ ለውጢ ሓደ ኣብነት እዩ ኢልና ክንወስድ ንኽእል ኢና፤ ምዕባለ እንትዕንቅን። እዚ ትምህርቲ ዝወለዶ ምዕባለ ማለት እዩ። ክኢላታት ሓይሊ ሰብ ምህላው ዘይምህላው ማለት እዩ። እዚ ማለት ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ክሳብ ከንደይ ደረጃ ዝብል ጥረ መዐቀኒ ገይርካ ትወስዶ ትኽእል። ክንደይ ዝኣክል ኳሊቲ ከ ኣለዎ እቲ ትምህርቲ ዝብል እውን ትወስድ ትኽእል። ስለዚ ሰፊሕ እዩ ምዕባለ ምዕቃን። ክዕቅኖ እንተኢልካ እውን ናብቲ ተዓቃናይ ዝኾነ ባእታ እዩ ዝኸይድ። ክንደይ ቤት ትምህርቲ፣ ክሳብ ክንደይ፣ ክንደይ ሰብ ተበፃሕነት ኣለዎ ንትምህርቲ  ወዘተ ናብ ዝብሉ ኢኻ ትኸይድ። ኣብ ግልጋሎት እውን ብተመሳሳሊ እዩ። ክንደይ ሰብ ማይ ረኺቡ፣ ሓይሊ ረኺቡ፣ ጥዕና ትካላት ወዘተ ዝብሉ ተዓቀንቲ ነገራት ኢኻ እተልዕል። ንክንደይ ሰብ ከ ጠቒሙ ዝብሉ ኢኻ እትወስድ።

እቲ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሎ እንድሕር ድኣ ኢልና ካብዚ ዕብየት እዚ ክንደየናይ ሰብ እዩ ዝጥቀም ዘሎ ዝብል እውን ካልእ ናይ ምዕባለ ኣገዳሲ መዐቀኒ እዩ። ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስና/ሶሻል ሰኩዩሪቲ ሲስተም ዝብሃል ኣሎ፤ ንሱ ኣበይ ደረጃ ኣለና ኢልካ እውን ምግምጋም ትኽእል ኢኻ። በዚ ኢኻ ምዕባለ እትልክዖ።

መጠን ድኽነት ክንደይ በፂሑ? ክንደይ ሰብ በሊዑ ይሓድር ወዘተ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጠረ  ድኽነተ ዝልክዓሉ መንገዲ እውን ኣሎ፤ ግን ኩሉ መካታዓይ እዩ።  ሴክተራል ዝኾኑ መዐቀኒታት ኣለዉ። ብንፅል እውን ዝልክዓሉ መንገድታት ኣለዉ። ግን ኩሎም ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሓሎም ኣይኮነን።

በዚ መንፅር እምብኣር ትግራይ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ልምዓት ኣላ ንብል?

እዚኣ ንምምላስ ሰለስተ ነገራት ምርኣይ የድሊ። ሓደ ኣበይ ነይርና ዝብል እዩ። ካልኣይ ኣበይ ኣለና ዝብል እንትከውን እቲ ሳልሳይ ድማ ኣበይ ክንበፅሕ ይግብኣና ነይሩ ዝብል እዩ።

ስለዚ ኣበይ ነይርና እንተኢልካ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ እታ መሰረታዊት እትብሃል መዓልታዊት እንጀራ ምርካብን ናይ ዘይምርካብን ሕቶ ዝነበረሉ ኩነታት እዩ። ሓደጋ ውሕስነት ምግቢ ብገፊሑ ዝነበረሉ፣ ከም ሰብ እውን ምንባርን ዘይምንባርን ኣፈላላያት ክርኢ ዘይክእለሉ፤ ተነበረ ኣይተነበረ ብዙሕ ኣፈላላይ ዘይብሉ ኩነታት ከምዝነበረ እዩ ዝፍለጥ። ኩነታት ኣተሓሳስባና እውን ብኡ መጠን ወሪዱ፣ ድኽነት ዳዕኒንዎ ምሕሳብ ዝብሃል ነገር ክሳብ ዝጠፍኣሉ bige picture ዝብሃል ነገር ናብ ዘይብሉ ደረጃ ዝወረደሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ሰብ ኣብ ኣለሻ ምግቢ ተፀሚዱ ዝነበረሉ እዋን እዩ። እዚ ዝብለካ ዘለኹ እቲ ምዕባለ ክንዕቅኖ እንተኮይንና ካብ መሰረቱ ሒዝና ክንርኢ ግድን ስለዝብል እዩ።

ኣብቲ መጨረሽታ ሰማንያታት ከምዝዝከረኒ ሕዚ ተመሊሰ ብሞያይ ዓይኒ እውን ክርእዮ እንተለኹ እቲ ናይ ሽዑ ኩነታት ተወሳኺ ዓሰርተ ዕስራ ዓመታት እንተዝቕፅል ነይሩ ከምህዝቢ እውን እንጠፍኣሉ ኩነታት እዩ ነይሩ ምባል ይከኣል። ከም ህዝቢ ዓብዪ ሕቶ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን እዩ ነይሩ። ካብዚ ኢና ተቢጊስና። ሃፍተ መሰረትና ተወሲዱ፣ መሬትና ተጓሕጕሑ፣ ኣፅዋት ጠፊኦም፣ ዓቕምታትና ኩሎም ብመሰረቶም ጠፊኦም፣ ሓመድና እኽሊ ምፍራይ ዳርጋ ጠጠው ከብል ኢሉ፣ ወለዶ ድሐሪ ወለዶ መንሚኑ፣ ጎቦታትና ጥርሖም ተሪፎም፣ ናይ መወዳእታ ዝኾነ ጎስቆልቆል ነይርና። ካብዚ ዜሮ ቤዝ ክትብሎ እትኽእል ኢና ጀሚርና።

ካበዚ ተበጊስና ግን ሰላም ጥራሕ ድኣ ይሃሉ እምበር ኩሉ ነገር ምቕያር ከምዝከኣለ ርእይና። እቲ ህዝቢ ስኽ ኢሉ ብሰላም ክንቀሳቐስ ብምግባር ዝመፀአ ለውጢ ኣሎ። እዚ እቲ ለዉጢ ዘምፅኦ ለውጢ እዩ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ህዝቢ እፎይ ኢሉ ደቂሱ ሓዲሩ ንጉሆ ድማ ትስእ ኢሉ ሎምዓንቲ ኸ እንታይ ክገብር ኢሉ ቅስን ኢሉ  ናብ ናይ ምሕሳብ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ። በዚ ዝመፀ ዓብዪ ለውጢ ኣሎ።

ድሕሪ እዚ ዓብዪ ለውጢ እዚ ዝመፁ ፖሊሲታት ዘምፅእዎ ለውጢ እውን ቀሊል ኣይኮነን። በቶም መዐቀኒታት እንዲና ክንርእዮም ኣብ ትግራይ ብመንፅር ካልኦት ክልላት እንትርአ ዝተገበረ ዓበዪ ነገር፤ ጠቓሚ ዝብሃል ነገር ሰብ እዩ። ትግራይ ሰብ እዩ ሃፍታ። ናይ ካልእ እውን ሰብ ኣይኮነን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ ግን ክሳብ እንፈልጦ ሰብ እዩ ሓይላ። ስለዚ እዚ ሓይሊ እዚ ንምልማዕ ዝተገበረ ስራሕ ክሳብ ኣብ ዳስ ገይርካ ትምህርቲ ምጅማር ዝነበረ ስራሕ ዝበዝሕ ናይ ክልል በጀት ናብ ትምህርቲ ምግባር፤ ካልኦት በቲ በጀት ፅርግያ ሰሪሐን ክኾና ይኽእላ እየን ወዘተ እዚ ዓብዪ ናይ  ስራሕ እዩ ኢለ እየ ዝወስዶ። ከምኡ እንተዘይግበር ነይሩ ርእሰይን ርእሲ እማተይን ኣይምተምሃርናን፤ ኣይመወፃናን። ሰለዚ መሰረታዊ ነገር እዩ ተሰሪሑ። ብኪሎሜትራት ክግለፅ ዝኽእል ርሕቐት ዘለወን ቤት ትምህርቲ እየን ተሰሪሐን። ብጣዕሚ ዓብዪ ለውጢ እዩ።

ማሕበራዊ ግልጋሎት እውን እንተወሲድካ ብዙሕ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ። ብፍላይ ጥዕና እንተወሲድካ ብሃገር ደረጃ እውን ዘኹርዕ ብፍላይ ግን ትግራይ ብዙሕ ጊዜ እውን ክንዕቅኖ እውን ስለእንፍትን ኣነ ብኣካል እውን ከይደ ስለዝርእዮ ለውጥታት ኣሎ። ዳታ ኣናሊስስ ክንሰርሕ እንተለና ኣብ ትግራይ ከመይ ኮነ ኢና እንብል። ምኽንያቱ ናይ ዝኮነ ለውጢ ኣብ ትግራይ እንተዘይተራእዩ ኣብ ካልእ ናይ ምርኣይ ዕድሉ ዝነኣሰ እዩ። ማእኸላይ ስለእንወስድ እዩ። ብማእኸላይ ኣብ ትግራይ ዝሓሸ እዩ። ከምኡ ዶ ይቕፅል ኣሎ ካልእ ነገር እዩ። ካብ ጉሓቱ ግን ናይ ትግራይ እዩ ዝሕሽ። spesificaly ኣብ health service እንተወሲድካ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ዝተሰርሐ ዓብዪ ስራሕ በብከባቢኡ ጥዕና ኬላ ነናብ ጣብይኡ ናይ ምውሳድ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ። ኣብ ውሽጢ ጥዕና ኬላ health extension workers ዝብሃላ መሰረታዊ ዝኮነ ስልጠና ዝወሰዳ ክልተ ሰለስተ ደቂ ኣነስትዮ ኣለዋ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሕንጣሎ ከይደ ነይረ። ክሳብ ሳምረ ዘሎ እቲ ናይ ጥዕና ኬላ ስርሓቲ እንታይ ይመስል ንርኢ ነይርና። ተስፋ ዝህብ ነገር ኣሎ። ህፃናት እንትወለዱ መን እዩ ኣቡኡ፣ መን ኣዲኡ፣ ከመይ ተወሊዱ፣ ክንደይ ኪሎ ተወሊዱ ወዘተ ዝብል ዝርዝር መዘገብ ሰነድ ኣሎ። ስለዚ እቶም ዝውለዱ ቆልዑ ክንፈልጦም ጀሚርና ኣለና ማለት እዩ።

ካብኡ ጥዕነኦም እንታይ ይመስል፣ ኣዲኦም ከ? ወዘተ ዝብል ድማ ምክትታል ኣሎ። ናይ ወሊድ ክትትል ናይ ጥንሲ ክትትል ወዘተ ዓበይቲ ስርሓቲ እዮም ተሰሪሖም። እዚ ኣዴታት እውን ጠይቕካ ክትፈልጦ እትኽእል እዩ።

ሓንቲ ኣደ ዝኮነ ሽግር እንተኣጋጢምዋ ናብቲ ቀፂሉ ዘሎ ጥዕና ጣብያ ናይ ምልኣኽ ኣብኡ እንተዘይሰሚሩ እውን ሪፈር ናይ ምባል ካብኡ ቀፂሉ እውን  ናይ ቀይሕ መስቀል ኣምቡላንስ ግልጋሎት ተጀሚሩ ትርኢ። እዚ ዓብዪ ነገር እዩ። ኣብ ኩለን ክልላት ተመኵሩ እዩ ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ዝሓሸ ነገር ከምዘሎ ኢና እንርኢ።

ሕዚ ሓንቲ ኣደ ክንደይ ክትወልዲ እንተኢልካያ 12 እትብለካ ኣይትረክብን። ሎሚ ድኣ ከቢድ እንድዩ ኣይንኽእሎን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ እያ እትብለካ። ናብቲ ናሽናል ኣቨረጅ ዝፀጋጋዕ ኣሃዝ እያ እትነግረካ። እዚ ቀሊል ዝብሃል ናይ ኣተሓሳስባ ልምዓት ኣይኮነን። መሰረታዊ እዩ። ማይ እውን ከምኡ ፈተናታት ኣለዉ።

ሰብ እዩ ሓይልና ክንብል እንተለና እዞም ሕዚ ዝውልዱ ዘለዉ ቆልዑ ማለትና እዩ። ስለዚ እዚኦም ዝሓሸ ነገር ረኺቦም ክዓብዩ ኣለዎም፤ ንሱ ምግባር እውን እዩ እቲ ምዕባለ። ብስሩ ዕብየት ምምፃእ ጥራይ እኹል ዘይኾነሉ ምኽንያት ዕብየት ናብዞም ነገራት እዚኦም  ቀልጢፉ ኣይመሓላለፍን። ንኣብነት ኣብ ትግራይ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሎ ንበል እሞ ሓደ 5 ሽሕ ዝነበረ መሃይኡ 10 ሽሕ ይኹን ንበል። እዛ 5 ሽሕ ሓለፋ እዚኣ ኣብታ ስድራ እንታይ ዓይነት ለውጢ ክተምፅእ ትኽእል ? ዝብል እዩ ልምዓት ማለት። እታ ዕብየት ርኢኻ ስኽ እንተድኣ ኢልካ እታ ዕብየት ዋጋ ኣይብላን።

ናይ ሰፍቲኔት ውፅኢት ንዕቅን ኢና። እዚ ቅርሺ እዩ ዝህብ። ወይ ናይ ምግቢ እታወት። እዚ ምግባር ፅቡቕ ዝኸውን ኣብ ህፃናት ለውጢ እንተምፅእ እዩ። ምሃቡ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ህፃናት ህይወት ለውጢ ናይ ምምፃእ ስራሕ ግን ሰፍቲኔት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ካልኦት ስትራክቸራሊ ክቕየረሉ ዘለዎም ብዙሓት ነገራት ድምር እውን ስለዝሓትት ስለዝሃብካዮ ብቐጥታ ዝቕየር ኣይኮነን። ሕዚ ብግቡእ ንርኣዮ እሞ ህፃናት ንዕድምኦም ዝምጥን ቁመት ክህልዎም ኣለዎ ዝብል ሓደ መዐቀኒ ኣሎ ኣብ ምዕባለ። ክብደቶም ንቑመቶም ወይ ንዕድምኦም ዝምልከት ዳታ ወይ ፎርሙላ ኣሎ። እቲ ቆልዓ ኣብኣ እንተዘይበፂሑ ፀገም ኣለና ማለት እዩ።

ኣብ ናይ መጀመርታ 2 ዓመት ኣብ ቆልዓ እንገበሮ ኢንቨስትመንት ድሓር ድኽነት ክንቅንስ እንገብሮ ስራሕ ክቕንስ ይውስን እዩ። እዚ ቆልዓ እዚ ድኻ ወይ ሃፍታም ናይ ምዃን ዕድሉ ሕዚ ኣብ ዝግበረሉ ኢንቨስትመት ይውሰን። ናይዚ ምኽንያት ኩሎም ሳይኮሜትሪክ ነገራት ፎርም ዝኾነሉን ኣተሓሳስብኡን ገልኡን ዝውሰነሉን ዕድመ ብምዃኑ እዩ። እቲ መረዳእታ ዘመላኽቶ እውን እቲ ኣብ ህፃንነቱ ዝተጎድአ ሰብ 20% ድኻ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ ካብቲ ኣብ ህፃንነቱ ዘይተጎድአ ሰብ። ዓብዪ ቁፅሪ እዩ እዚ። እዚ ብምዃኑ እዩ እውን ድኻ ዝኾንና። እቲ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ብዙሕ ለውጢ ከምፅእ ዘይከኣለ እውን ከምቲ ዝብሎ ዘለኹ ኣብ ህፃንነቱ ኢንቨስት ዝተገበረሉ ስለዘይኮነ እዩ። ንሓዋሩ ለውጢ ንምምፃእ ኣብኡ ኢንቨስት ምግባር የድሊ።

እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ብጣዕሚ ዘሐጉስ ነገር እዩ። እቲ ፀገም ንኹሉ ዝርአ ኣይኮነን፤ ቪዝብል ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ እዋን ናይጀርያ ከይደ ነይረ። ከም ኣጋጣሚ እዚኣ ንዕቅን ነይርና። ሰሜን ናይጀርያ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጥምየት ዘለዎ ከባቢ እዩ። ኣይመጣጠንን ምስቲ ደቡብ። ኣብ ደቡብ ናይጀርያ ናይ ፅጋብ ፀገም ኣሎ፤ ኣብ ሰሜን ድማ ናይ ጥሜት ፀገም ኣለዎ። ክልተ ጫፍ እዩ። እቲ ሰሜን ዝበዝሕ ሙስልም እዩ። ናይጀርያ ዲሞክራሲ ብፅቡቕ ተግባራዊ ዝትግበረላ ዓዲ እንድያ እቶም ዝምረፁ ኣካላት መምረፂ ረቛሒኦም ሓደ እዚ ህዝቢ እዚ ዘንፅርፅረሉ ነገር ኣየናይ እዩ ዝብል እዩ። ብኣ እዮም ዝወዳደሩ። ኣብ ደቀቕቲን ዘይርኣዩን ሰሪሕልና እዩ ዘየብሉ ነገራት ኣይሰርሑን። ምዕባለን ዕብየትን ዘለዎ ኣፈላላይ እውን እዚ እዩ። ዕብየት በይኑ ልምዓት ኣይኮነን እንብል በዚ እዩ።

ስለዚ እቲ ምስ ናይጀርያ ዘለና ናይ ዲሞክራሲ ትግበራ ክትዕ ንግደፎ እሞ መሰረታዊ ዝኾኑ ናይ ልምዓት ተግባራት ብፅቡቕ ዝትግበረላ ዓዲ እያ ናይጀርያ። ኩሎም ኣፍሪካውያን ሃገራት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ነገር ይግበር ከምዘሎ እዮም ዝሓስቡ። ስለዚ ኣቕሊልና ክንርእዮ ኣይብልናን እቲ ስርሓትና። ስለዚ እታ ኣብ ሕንጣሎ ርእይናያ ዝበልኩኻ ነገር ኩለን ዝዓበያ ሃገራት ገይረንኣ ዝሓለፋ እያ። ንሳ ከይገበራ ዝዓበያ ሃገራት የለዋን። እዘ ብትግራይ ደረጃ ከመይ ገይርና ኢና ህፃናት ከይጉዱኡ ዝገብር ኮንሽየስ ዝኾነ ስርሓቲ ኣሎ። እዚ ንመብዛሕትኡ  ኣብቲ ፌስቡክ እውን ዝነጥፍ መንእሰይና ዝረኣዮ ኣይኮነን። እዚ ሕዚ ኣበይ ኣለና ንዝብል ሕቶ ዝኸውን መልሲ እዩ።

ክንድቲ ክንኸዶ ዝግብኣና ዶ ከይድና ናብ ዝብል ድማ ንምፃእ። ክንድቲ ዝግብኣና ኣይከድናን። ንምንታይ?

መዓት ዝርዝር ክህልዎ ይኽእል ነዚ። ንዓይ ፈላማይ ዝርዝር ግና ምስቲ ድሕረ ባይታና እዩ ዝተኣሳሰር። ህወሓት ኣብ ዓሰርተ ገለ ዓመት ሰፊሕ ህዝቢ ናይ ምንቕናቕ ስራሕ ሰሪሓ እያ። ህወሓት ካብዝገበረቶም ዓበይቲ ስርሓቲ እቲ ሓደ ህዝቢ ናይ ምንቃሕ ስራሕ እዩ። ድላይካ ክትብሎን ናብ ድላይካ ክትወስዶን ትኽእል ኢኻ፤ኮይኑ ግን ህዝብና ኮንሲስተንት ዝኾነ ዘረባ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ንክዛረብ ገይራቶ እያ። ኣብ ሓደ ህልም ዝበለ ገጠር ከይድካ ተመሳሳሊ ዝኾነ ዘረባ ኢኻ እትረክብ። ኣብ ግንባር እትረኽቦ ሰብ ዝነግረካ ንስኻ እትደልዮ ክነግረካ ይኽእል። ፖለቲካሊ ሰንሲቲቭ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብደንቢ እንተኣቲኻዮ ግና ምስቲ ኣብ ህልም ዝበለ ገጠር እትረኽቦ መልሲ ኣፈላላይ ኣይብሉን። ስለዚ ዓብዪ ፖለቲካል ንቕሓት ተፈጢሩ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን 99.9% ኣብ ሓደ ርእሰ ጉዳይ ብማዕረ ዝሓስብ ህዝቢ ኣለካ። ሕሰቦ እዚ! ከቢድ እዩ ከምዚ ዝበለ ምልዕዓል ምፍጣር። ንህወሓትን ህግደፍን ዘጋጠሞም ዓብዪ ዕድል እዚ እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ ህዝቢ ምሓዝ ከቢድ እዩ ክትፈጥሮ። ቀልዲ ድማ ከይመስለካ ብዙሕ እዩ ተደኺሙሉ። እዚ ዘይብሃል ካድረ ዕድምኡ ምሉእ ሰሪሑሉ እዩ ኣብዚ ተበፂሑ። ብኢንቨስትመንት እንተወሲድካዮ እውን ከምዚ ዝበለ ህዝቢ ክፍጠር ቀሊል ኢንቨስትመንት ኣይኮነን።

ከም ኣነ ኮንሽየስ ውሳነ ወሲንካ  እዚ ከምዚ ዝበለ ናብ ድላይካ ክትወስዶ እትኽእል ህዝቢ ሒዝካ ክስራሕ ዝኽእል ዝነበረ ስራሕ እዚ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሐ ጥራይ ክኸውን ኣይነበሮን። መዓት ዝርዝር ክህልዎ ይኽእል እዩ፤ ከም ህወሓትን ኢህደግን ዝመፀ ነገር ኣሎ ብሓቂ። ከም ፖለቲካል ኢንቲቲ ዝመፁ ፀገማት ኣለዉ። ብሓፂሩ ኣብቲ ጊዜ ስግግር ሓደሓደ ብግቡእ ዘይተትሓዙ ዝባኸኑ ዕድላት ነየሮም እዮም። ብቐሊሉ እኳ እንተርእይኻ እቲ ዓቕሚ ዝነበሮ ተጋዳላይ ኣብ ትግራይ ኣይፀንሐን። ናብ ማእኸል እዩ ከይዱ። እዚ ንትግራይ ዓብዪ ብኽነት እዩ። ብፌደራል ደረጃ ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር እንተነይሩ እሞ ክንገብሮ እንተነይሩና ኣይፈልጥን፤ ግን at the expense of Tigrai ከምዝነበረ ግን ይፈልጥ እየ። እንተዘይትገብሮ ነይርካ  እንታይ ምኾነ ዝብል ሕቶ ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ሚዛን ምትሓዝ ምተኸኣለ ነይሩ። ቁልፊ ሰባትና ክንጥቀመሎም ነይሩና።

ካብኡ ቀፂሉ እውን ስግግር ክግበር ነይርዎ። simplistic ክትብለኒ ትኽእል ኢኻ ግን፤ ቀሊል ዘይብሃል ናይ ስግግር ፀገም ዘጋጠመና ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ዘይተጋዳላይ እዩ። ተጋዳላይ መስዋእትነት ከፊሉ ህይወቱ ሂቡ እዚ ኩሉ ነገር ከምፅእ እንተሎ ዳሕራይ ዝኸነ ነገር ክረክብ እየ ኢሉ ከምዘይኮነ ይፈልጥ እየ ኣነ። ብውሑድ ዛንታ ስድራኻ ውን ምውሳድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ይፈልጥ እየ።  ሓንቲ ነገር ግን ከይተስተኻኸለት ቀፂላ። ተጋዳላይ ካብ ገድሊ ስለዝመፀ፤ ታሪክ ስለዘለዎ ዝሓሸ እዩ። ስለዚ ንሱ ክመርሕ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ክሳብ ሕዚ እውን ዘሎ ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ እንታይ ፈጢሩ፡ ሓደ እቲ ተጋዳላይ እውን ባዕሉ ከይምሃር ከይዓቢ ገይሩ። ኣብ ስራሕ ተፀሚዱ። ስለዚ እቲ ክሳብ ድሓር ዝቐፀለ ተጋዳላይ ኣብ ክንዲ ዝምሃር ኣብ ስራሕ ተፀሚዱ ንዝሓለፉ ዕስራን ገለን ዓመታት ባኺኑ ማለት እዩ። ብካልእ ገፁ ድማ እዚ ነገር እዚ ንዓይ ኣይምልከተንን ማለት እዩ፤ ንተጋዳላይ ጥራይ እዩ ዝኸውን ማለት እዩ ኢሉ እግሩ ዘድሓረ መንእሰይ ድማ ኣሎ። እዚ ክፍተት እዚ ብጉሓቱ ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ እሞ ዘይተገበረ እዩ። ብጉሓቱ ንሳቶም ናብ ትምህርቲ ክኣትዉ ነይርዎም። ድልዊ ዝነበረ ሓይሊ ሰብ ነይሩ ዋላ እኳ እንተዘይበልኩኻ ክትክኡ ዝኽእሉ ቦታታት ግን ነይሮም እዮም። ብዉሑድ ክልቲኡ ናይ ምውህሃድ ስራሕ ጎዲሉ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ኣነ። ድሓር ናተይን ናትካን ናብ ዝብል ሕዚ እውን ጫፉ ናብ ዝርአ ኩነታት መፂኡ።

ንሱ ስለዝኸነ እውን እዩ ናብ ኣመራርሓ ዝመፅእ ሰብ ብሰሩ እውን ናብ ፓርቲ ዝኣቱ ሰብ ኣብ ምሕራዩ ከቢድ እናኾነ ከይዱ። ልምዲ ስለዘይነበረ ክትመርፅ ይኸብድ። እቲ ፓርቲ ጥራሕ እውን ኣይኮነን ዝመርፅ። እቲ ሰብ እውን ናብ ዝሓሸ ፓርቲ ክኸይድ እዩ ዝመርፅ። ዝሓሸ ውድብ እንተዘይኮይኑ ዝሓሸ ሰብ ኣይኣትዎን። best minds ክስሕብ ኣይከኣለን። እዚ ዝፈጠሮ ሓይሊ ሰብና ናይ ዘይምጥቃም ዓብዪ ሽግር መፂኡ። እገለ ትክክል ነይሩ እገለ ሰኒፉ ምባል ኣይከኣልን ኣብዚ። conceptually ሓይሊ ሰብካ ብኣግባቡን ወዲእኻን ናይ ዘይምጠቃም ፀገም ዝፈጠሮ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ኣብ ትግራይ እንታይ ጎዲሉ እንተኢልካኒ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ብቁፅሪ ይኹን ብዓቕሚ ብዝሓሸ ኩነታት ዝፈረየ ሓይሊ ሰብ ብኣግባቡ ዘይምጥቃም እዩ። ንሱ ተጠቒምና ዝላ ክነምፅኣሉ ዝነበረና ዕድል ኣይተጠቐምናሉን። እቲ ዘጋጠመ እንታይ  እዩ፤ ካብ ጣብያን ወረዳን ጀሚርካ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ኩሉ ሕልሙ ካብኣ ምውፃእ እያ ኮይና። ኣበኣ ኣብታ ዝተምሃረላ ጣብያ ኮይኑ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእለሉ ባይታ ጠፊኡ። ጣብይኡ ክቕይር ዘኽእል ኣተሓሳስባ ኣይተፈጠረን። ዳሕራይ እውን ከምቲ ቅድም ክብል ዝበልናዮ ናብቲ ዝሓሸ ነገር ዘለዎ ናይ ምፍላስ ነገር እዩ መፂኡ።

ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ዝበልካዮ  ብህወሓት ኣቢሉ ናብ ዝሓሸ ኮንሸስነስ ፖለቲካዊ ነቕሓትን ተሳትፎን  መፂኡ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደሙ እውን ንነዊሕ ዘበናት ኣብ ሓደ ክሊ ዝተማሓደረን ተመሳሳሊ ድለየት ዘለዎን፤ ናይ ዓሌት ኣፈላላይ ዘይብሉ ፤ ነጋስን ዘይነጋስን ዝበሃል ዓሌት ዘይብሉ እዩ፤ ካብ ታሪኹ። በዚ በዚ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረብ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባን ጠለብን ዘለዎ ህዝቢ እዩ። እሞ ብዚ ምኽንያት እቲ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብሃል ኣተሓሳስባ ኣብ ትግራይ ንምትግባሩ እውን ምችው እዩ ዝመስለኒ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ትግራይ ኣምፂካ ክዕሪ እንታይ ክትገብር ኣለካ? ሕዚ ሕርሻ ዝመርሖ ኢልና ኢና እንዛረብ። ኣብ ካልእ ልሙዕ ዓዲ ስለዝኾነ ብእንሽተይ ኢንቨስትመንት እቲ ሕርሻ ፈራያይ ምግባር ይከኣል እዩ። ኣብትግራይ ግን ዘይተሓረሰት መሬት የላን። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ኢንቨስትመንት ብዋናነት ኣብ ሰብ ክኸውን ነይርዎ ፍሉይ ጠመትኡ። እቲ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ክገብሮ ዝግባእ ልዕሊ እቲ ሕርሻ ኣብ ልምዓት ሰብ፣ ኣብ ቱሪዝም ወዘተ…ዶ ኣይኮነን?

ፅቡቕ ሕቶ እዩ። መጀመርያ ሓደ ነገር ንነፅር። ትግራይ ንክትዓቢ ክትገብሮ ዘለዋ ነገራት ምስቲ ብሃገር ደረጃ ዝወፅአ ፖሊሲ ክጋጮ ግድን ኣይኮነን። ገዚፍ ዕድል ኣለዎ። ስለዚ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ኮይንካ ክግበሩ ዝክእሉ ሰፋሕቲ ነገራት ኣለዉ። ምስቶም ዝበልካዮም ሓቅታት ወሲድካ ማለት እዩ እዚ።

ሓደ መሰረታዊ ዝኾነ ነገር ሓሳባዊ ከምቶም ፅቡቕ ኣካይዳ ከይዶም ዝተዓወቱ፡ ከም እስራኤል ዝበሉ ሃገራት፤ ፈላማይ ስራሕ ዘለካ ሃፍቲ ብንፁር ምምዝጋብ (taking stock of resources) እዩ እቲ ናይ መጀመርታ። እንታይ ኣለና? ክንፈልጦም ይግባእ። ሃፍቲ (ሪሶርስ) ክንብል እንተለና እንታይ ኣለና፤ ሓይሊ ሰብ። እዚ ወሳኒ እዩ። ብፍላይ ንዓና! ሰብ እዩ እቲ ናይ መጀመርያ እታወት። ሓይሊ ሰብ ክንብል እንተለና ሕዚ ትግራይ ኣብ ታሪካ ርእያቶ ዘይትፈልጥ በፂሓቶ ዘይትፈልጥ ናይ ፍልጠትን ምርምርን ዓቕሚ ኣለዋ። ብዘሕ ሰብ ተማሂሩ እዩ። ብዙሕ ክምሃር ዝክእል ኣሎ። ዝተቐረበ ኣሎ። ናብ ካልእ ዘይጥምት ኣሎ። እዚ ወሳኒ እዩ። ኣበይ ክንደይ ኣለና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ዝብል ክንፈልጦን ክንርድኦን ይግባእ። ብዘርፍታት ፈላሊኻ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ እቲ ሓደ ወሳኒ እዩ። እንድሕር ዘይፈለጥካዮ ኣይትጥቀመሉን። ስለዚ ኣይንፈልጦን እንታይ ከምዘለና እየ ዝብል ዘለኹ። ብጭቡጥ ክንደይ ኣለና ከመይ  ከ ክንጥቀመሉ ንክእል ኣይንፈልጦን።

ካልእ፤ ሃፍቲ ሰማይን መሬትን ምፍላጥ እዩ። መሬት ማለት እውን እቲ ዝሕረስ ዘሎ መሬት ካልእ እዩ። እቲ ኣብ ውሽጡ ዝሓዞ ካልእ እዩ። እቲ ዘይሕረስ ጎቦታትን ካልእን እውን ካልእ እዩ። ንዓይ ዝርኣየኒ ብቐሊሉ ክስርሑ ዝክእሉ ኣለዉ ኣብዚ። እዚ እውን ግን ብኣግባቡ ክፅናዕ፣ ክፍለጥን ክስነድን ኣለዎ። ትግራይ ዝሕረስ መሬት ኣይብላን ገለ እንትብሃል ይስማዕ እዩ። ጎቦ ንሕርሻ ምችው ኣይኮነን ዝበለ እባ መን እዩ? ጎቦ ማለት ዓብዪ ሃፍቲ እዩ።

ጎቦ (ላንድስኬፕ) ዝብሃል ነገር ዓብዪ ሃፍቲ እዩ። ኣብ ጎረቤት ኣውሮፓ ኮይና ብዛዕባ ላንድስኬፕ ዘይንሓስብ ህዝቢ ንሕና ጥራይ ኢና ክንከውን እንክእል ኢለ እየ ዝግምት። ሰሓቢ ዝኮነ ላንድስኬፕ ኣለና ንቱሪዝም ዝኸውን። ካብ ጎቦ ናብ ጎቦ መሰጋገሪ ሰሪሕኻ መሸራሸሪ ክትጥቀመሉ ትክእል።  ቃላያት ምፍጣር ይከኣል። ሎጅ ገለ ጥራይ እውን ኣይኮነን። ጎቦታት ባዕሎም ቱሪስትክ እዮም። ጎቦታት ክርኣዩ ምግባር ባዕሉ ልምዓት እዩ። ክርአ ክንገብሮ ኣለና። ተፈጥሮኣዊ መልክዑ ተመሊሱ ሰሓቢ ክኸውን ኣለዎ። ጎቦታትና ተሸፊኖም እስኪ ርኣዮም። ኣነ ሸፊነ እየ ዝርእዮም። ሓደሓደ ጊዜ ሲዊዘርላንድ ይመስለኒ። እንድሕር ሸፊንካ ርኢኻዮ ሓደሓደ ጊዜ ኣብ ኣሜሪካ ዘለኻ ክመስለካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ክለምዕ ኣለዎ። እቲ ካልእ ሃፍቲ ድማ ጀኦግራፊካሊ ናብ ኣውሮፓ ቀረባ ኢና። ብርካሽ ዋጋ ኣየር ትራንስፖርት እዮም ቱሪስት ዝመፁና። ቀጥታ ክነምፅኦም ንኽእል ኢና። ካብ ኬንያ ኮ ንትግራይ እዩ ዝቐርቦ ቱሪስት ኣውሮፓ። ካብ ታንዛንያን ደቡብ ኣፍሪካን እኮ ናብ ትግራይ እዩ ዝቐርቦ። ግን ካብ ሳውዝ ኣፍሪካ ዘይንእኣስ ገፀምድር (ቶፖግራፊ) ኣለና።

እዚ እንትንገብር ግን እቶም ጎቦታት ክሽፈኑ ኣለዎም። ከመይ ንሸፍኖም እዩ ሕዚ እቲ ሕቶ። ሕዚ እውን ኣይድያሊስት ኢኻ ክትብለኒ ትኽእል ኢኸ ግን ኣዝዩ ኢኮኖሚካል ብዝኾነ መንገዲ ምሽፋን ይከኣል እዩ። ኣትራፋይ ብዝኾነ መልክዕ ምግባር ይከኣል እዩ።

እዚ ኸባቢ እዚ 12 ሰዓትን 12 ወርሕን ፀሓይ ዘለዎ ከባቢ እዩ። ልዕል እናበልካ ክትከይድ እንተለኻ 12 ምኳን እናቐነሰ እዩ ዝኸይድ። ብስሩ እውን 2 ሰዓት ጥራይ ፀሓይ ብርሃን ዘለዎም እውን ኣለዉ። ንሶም እዮም ኣብ 2 ሰዓት ሰሪሖም እኽሊ ኣፍርዮም ናባና ዝልእኹልና ዘለዉ። 12 ሰዓት ፀሓይ ወሳኒ እዩ ንተኽሊ። ኣብ ኩሉ ሞዴላት ብርሃን ፀሓይ ኣሎ። ስለዚ ወሳኒ እዩ። ኣርቴፍሻል ዝጥቀሙ እኮ ነዚ እዮም። ፀሓይ ወሳኒ እዩ። ቀፂሉ እንታይ እዩ ዘድሊ፤ ሓይሊ ሰብ እዩ። እዚ ድማ ኣሎና ኢልና ኢና። ቀፂሉ ዘድሊ ማይ እዩ። ማይ እውን ሽግር ኣይመስለንን። መዓት ማይ ቴክኖሎጂ ግራቪቲ ኣለዉ። እዚ ምጥቃም ንኽእል ኢና።

እንታይ ዓይነት ተኽሊ ኢና ክነልምዕ ድማ በል። ናይ ኣውሮፓ ኣትክልቲ ካብ ላቲን ኣሜሪካን ብዉሑድ ድማ ካብ ኣፍሪካ ካብ በዓል ቱንዝያ እዩ ዝመፅእ። ዝበዝሕ ግን ካብ ላቲን እዩ። እዚ ዝኸውን ኣውሮፓ ሓፂር ናይ ፀሓይ እዋን ስለዘለዋ ክተፍሪ ስለዘይትኽእል እዩ። ስለዚ ኢምፖርት ይገብሩ። ካብ ብራዚል ዝመፀ ኣፕል ኣብ ኣውሮፓ ትረኽቦ። ሓደሓደ ጊዜ ድማ ብኣውሮፓ ኣቢሉ እዩ ናባና ዝመፅእ። ካብ ብራዚል ንሕና ንቐርብ ንኣውሮፓ። ክላይመትን ተፈጥሮን ኣለና። ጎቦ ካሽ ክሮፕ ንክትገብሮ ከቢድ ኣይኮነን። ተመኩሮታት ቻይና ምውሳድ ይከኣል። እዞም ጎቦታት ናብዚ ዓይነት ዓውዲ እዮም ክኣትዉ ዘለዎም። ቱሪስትክ ዋጋን ኢኮኖሚክ ረብሓን ተሳኽዕ ኣለኻ ማለት እዩ።  ብቐሊሉ እዚ ምግባር ይከኣል። መዓዝ እንታይ ይደልዩ እናበልና ሰደድ ንገብር፤ ድማ ቀረባ ኢና ንኣውሮፓ። እንትጅምር ኣብ ንግዲ ዓለም transportation cost ንእሽተይ ዋጋ ኣይኮነን ዘለዎ። ኣገዳሲ ባእታ ንግዲ እዩ። ትርጉም ኣለዎ። ስለዚ ተወዳደርቲ ክንኸውን ንኽእል ኢና። ክንስዕር እውን ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ብቐሊሉ እውን ምጅማር ይከኣል እዩ። ውልቀሰባት ኣዋፊርካ፣ ንዐኦም እናደገፍካ ዝግበር ነገር እዩ። ናይ ደገ ሓገዝ እውን ምጥቃም የድሊ። ሓዱሽ ፍልጠት እውን ኣየድልየናን public available knowledge እውን ኣለና። ተመኵሩ ዝሓደረ እዩ። ቀሊል እዩ ኣይኮነን ዝብለካ ዘለኹ ግን ዝከኣል እዩ። ውሕሉልን ንቑሕን ስምረት (carfeful and conscious synchronization) ይደሊ። ግን ክግበር ዝከኣል እዩ።

ብስሩ ድሕሪ ሕዚ ዝመፅእ ዕብየት ብቐሊሉ ዝመፅእ ዕብየት ኣይመስለንን። እቶም ተለምደኣዊ ሕርሻ ገለመለ ዝብሃሉ ገይርናዮም ኢና። ድሕሪ ሕዚ ዝመፅእ ዕብየት ፍልጠት መሰረት ዝገበረ እዩ ክኸውን። ብፍላይ ኣብ ሕርሻ። ፍልጠት ማእኸል ክገብር ኣለዎ። ፍልጠት ክንብል እንተለና ናይ ሓደ መራሒ ፍልጠት ኣይኮነን። እቲ እንብሎ ዘለና ጎቦ ናብ ረብሓ ናይ ምውዓል ስራሕ ንምስራሕ ናይ ሓመድ ሊቃውንቲ የድልዩና። ናይ ኣትክልቲ ምሁራን የድልዩና። ማይ ቴክኖሎጂ ስፔሻሊስትስ የድልዩና ወዘተ። እዚ ካብ ብራዚልን ካልኦትን እውን ክንምሃሮ ንኽእል ኢና። ፍልጠት ክትብል እንተለኻ ሓደሓደ ጊዜ ዘዛብዕ ነገር ዘለዎ ይመስል። መራሕቲ ኩሉ ነገር ክፈልጡ ግድን ኣይኮነን። መራሒ ይመርሕ እምበር ኣብ ኩሉ ሊቅ ክኸውን እውን ትፅቢት ኣይግበርን። ምትሕብባር እዩ ስርሑ። በዚ እውን ክሕመዩ ኣይብሎምን። ንሳቶም እውን ከምኡ ዝሓስቡ እንተኮይኖም ተጋግዮም እዮም። ገሊኦም ፍልጠታት ኣይርኣዩናን እውን ዘለው።  እቲ ቦታ ስለዘየለ እቶም ሰባት እውን የለውን ኣብ ገልገሊኡ። እዚ ናይ ጎቦ ምልማዕን ናብ ረብሓ ክውዕል ናይ ምግባርን ስራሕ ሕርሻ ዝመርሖ ድዩ ኢንዳስትሪ ዝመርሖ ድዩ ዝብል ኣየገድሰናን። እቲ ምልማዕ እዩ እቲ ዋና።

ካብቲ ጎቦታት ወፃኢ እውን ሜዳታት ኣለዉና። ሩባታት ኣለዉ ዘይተጠቐምናሎም። ማይ ውሽጢ መሬት ኣሎ። ብፍላይ ብፍላይ ድሕሪ ናይ ቻይና counter revolution ዝተምሃርናዮ ኣብ ንእሽተይ  መሬት ታሪክ ምስራሕ ይከኣል እዩ። ግድን ኣይኮነን ሰፊሕ መሬት ከድሊ ለውጢ ንምምፃእ። እዚ ዝብል ዘለኩ ኣብ ሕርሻ ኮይንካስ ዘይተገበረ ነገር እዩ። ስለዚ ሕርሻ ለውጢ ኣየምፅእን ምስ ዝብል ኣይሰማምዕን። ስለዘይገበርናዮ እምበር ከምፅእ ይኽእል እዩ። ሕዘ እውን እዚ ተዘይገይርካ ለውጢ ኣይመፅእን። መሬትና ንዓና ሓሊፉ ንካልእ እውን ክቕልብ ዝክእል እዩ። ኣይሰራሕናሉን እምበር።

ኔዘርላንድ እትብሃል ዓዲ ኣላ፤ ንእሽተይ ዓዲ እየ። ኣነ ኣብኣ እየ ተማሂረ። 16 ሚልዮን ህዝቢ ይነብረላ። ግን ክንዲ ክልተ ዞባ ትግራይ እያ እትከውን። ሓደ እዋን ንቻይና እትሕግዝ ዝነበረት ሃገር እያ። ኢትዮጵያ ንዝኣክል ዓብዪ ሃገር እውን እያ እትሕግዝ። ስለዚ ስፍሓት መሬት ገለ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ስፍሓት ዘገድስ እኮ ሓይልን ወነን (intensity) የለን ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ እዩ። ስኽ ኢልካ ዘርኢ ንምብታን እንተኾይነ ሰፊሕ መሬት እዩ ዘድልየኒ፤ ኣብ ሕድሕድ ዝበተንክዋ ዘርኢ ክንደይ ክረክብ ኣለኒ ኢለ ዝሓስብ እንተኮይነ ግን ስፍሓት ኣየግድሰንን። ኣብ ቆርቆሮ እውን ከብቁሎ ይኽእል እየ። ገገሊኡ እንበልዖ እኮ ኣብ ፎቛት እዮም ሰሪሖም ዝሰዱልና ዘለዉ። እዚ እንድሕር እንፈልጥ ኮይና ብዛዕባ ኣጠቓቕማና እምበር ብዛዕባ ስፍሓት ኣይኮናን ክንዛረብ ዘለና። ኢንተንሲቲ እዩ ዘገስድስ። ስለዚ ሕርሻ የድሊ ዶ ኣየድልን ዝብል ዘየድሊ ክትዕ (irrelevant) እዩ ንዓይ።

ከም ክልል ትግራይ ካብ ሕርሻን  ቱሪዝምን ብተወሳኺ እንታይ ዓቕሚ ኣለና ኢልና እንተወሲድና መዓድን ዓብዪ ዓቕሚ እዩ ኢለ እየ ዝውስድ። ትግራይ ኣብ ዝኾነ መገጣጥም(ቤልት) እያ ዘላ። በዓል ሞያ ኣይኮንኩን ግን ጂኦሎጅስት ኣዕርኽተይ ኣለዉኒ። ሓደ ዓርከይ ኣሎ ኣብዚ ከባቢ ፍልጠት ዘለዎ። ንሱ ይነግረኒ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ናይ መዓድን ቤልትስ ማለት እውን ሓደ ጎቦ ተተሓሓዘሒዙ ይቕፅል። ገለገሊኦም ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝሰግሩ ኣለዉ። ንቀይሕ ባሕሪ ዝኸዱ ታባታት ኣለዉ። እዚ እዩ ቤልት ማለት። መዓድናት እውን ከምኡ እዮም እዩ ዝብል ንሱ ከምዝነግረኒ። መዓድናትና ተኣሳሲሮም እዮም ዘለዉ። እንድዒ ምናልባት ከም ክልል መንግስቲ እቲ ሓበሬታ ክህልው ይኽእል እዩ፤ ከም ውልቀ ሰባት ግን ኣብዚ ዘለና ፍልጠት ንእሽተይ እዩ። ከምዘለና እውን እንፈልጥ ኣይመስለንን። ስለዚ ነብሲ ወከፍ መዓድን ኣበይ ኣላ ተነፂራ እትፍለጠላ እዋን ኢና ዘለና። እዚ ብጥንቃቐ ምፅናዕን ምፍታሽን የድሊ። ዝተጀመሩ ጅማሮታት ኣለዉ። ዝድነቑ። ካብ ደገ እነምፅኦ ሓይሊ ሰብ ጠቓሚ እዩ፤ ግን ነዚ ዘፅንዕ ናይ ባዕልና ሓይሊ ሰብ እውን ክህልወና ኣለዎ። ዩኒቨርስታትና በዚ ክቃነያ ክኽእላ ኣለወን። ካብ ዩኒቨርስቲ ናብ ሃይስኩል ክኣትው ኣለዎ። ትምህርቲ እኮ ብመሰረቱ ሽግር ምፍታሕ እዩ።

ኣብ ቱሪስት ክንውስኾ እንኽእል ካልእ ነገር ታሪክ እዩ። እንዘራረበሉ ዘለና ከባቢ ሓደ ካብቶም ወሰንቲ ናይ ስልጣነ ምንቅስቓስ ዝነበረሉ ከባቢ እዩ። ምስ በዓል ሮማን ቻይናን ዝወዳደር ዝነበረ ስልጣነ ዝነበረሉ እዩ። ዓለም ንዕኡ ክርኢ ድልየት ኣለዎ። ንሱ ክነሪኦ ክንክእል ኣለና። ዓብዪ ሃፍቲ እዩ። ስኽ ኢልካ ከምዚ ነይርና ገለመለ ንምባል ኣይኮነን፤ ዓለም ትደልዮ እያ እዚ ክትፈልጦ። ስለዚ ንዐኦም ኢልና እውን ክንገብሮ ንክእል ኢና፤ ንኩርዓትን ንጭርሖን ጥራሕ ኢልካ ዝግበር ኣይኮነን። ጠቓሚ እዩ። important contribution to the world እዩ። ኣብ ቻይና ዝነበረ ማንካን ኣብ ኣክሱም ዝነበረ ማንካን ዝመሳሰለሉ ምኽንያት ኣሎ። ዝኾነ ርክብ ስለዝነበረ እዩ። እዚ ናይ ኣከሱም ግደ እዩ፤ ስለዚ መሰረት ቱሪዝም ክኸውን ይክእል እዩ።

ስለዚ ብድምር እንታይ ክግበር ኣለዎ፤ እዚ ከምዘድሊ ምሕሳብ እዩ። እዚ ከምዘድሊ ንምሕሳብ ተኣኪብካ ምሕሳብ ኣየድልን። ኣነ ዝነግረካ ዘለኩ ፍፁም እዩ ዝብል ኣይኮነን። ግን ኮፍ ኢልካ ብረይንስቶርም ምግባር የድሊ። እዚኣ ንምግባር ዝኽልክል ነገር ዘለና ኣይመስለንን። ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ሰባት ኣገደስቲ እውን ኣይመስለንን ኣብዚ። ሓሳብ እዩ። ስለዚ ናይ መጀመርታ  ክግበር ዘለዎ ምሕሳብ የድሊ እዩ። ሕዝታት ዝተጀመሩ ነገራት ኣለዉ ብክልል ደረጃ። እዚኦም ክድነቑ እዩ ዘለዎም። እቲ ቲልክ ታንከ፣ መድረኽ ሙሁራት ገለመለ ዝብል ማለተይ እየ። እዚ ከየድነቕካ ምቕፃል እውን ግቡእ ኣይኾንን። እቲ ስርዓት ክንጥቀመሉ ኣለና፤ ንእሽተይ ቀዳድ እንተሃልያ ንሳ ፀንቂቕካ (to the maximam) ተጠቒምካ ምኻድ እዩ ዘድሊ። ብዝግባእ ዝተሓሰበሉ ዝኾነ ትልምን ውሳነን የድሊ።

ኣብ ትግራይ ግን ሓይሊ ሰብና ክትግምቶ ካብ ትኽእል ንላዕሊ እዩ ዝባኽን ዘሎ (ክንጥቀመሉ ዘይንኽእል ዘለና)። ሕዚ ስደት መናእሰይ ኣሎ። ሓይሊ ለውጢ እዩ ከምቲ ዝፍለጥ ግን መስደመም ብዝኾነ መንገዲ እዩ ዝስደድ ዘሎ። መንእሰይ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ምሁር እውን የለን። እቲ ፋሕጠርጠር እናበለ ገንዘብ ዘጥረየ ሃፍታም እውን የለን ወፂኡ እዩ። ስለዚ እቲ ሓይሊ ዝሓዘ መንእሰይ፣ እቲ ርእሲ(ፍልጠት) ዝሓዘ ምሁር ኮነ እቲ ሃፍቲ ዘለዎ በዓል ፀጋ እነተወፂኡ እዛ ዓዲ ከመይ እያ ኽትከውን? መን የልምዓ? መን እቲ ዝበልካዮ ይገብር?

መሰረታዊ ነገር እዩ እዚ እውን። ዓብዪ ሕቶ እዩ። እቲ ቅድም ክብል ላዕሊ ላዕሉ ትንክፍ ዘበልናዮ ሓይልኻ ናይ ዘይምጥቃም ፀገም፤ ወይ ድማ እዚ ዓቕምኻ ናይ ምሓዝ ስራሕ ንኡስ ምዃኑ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ። ብጣዕሚ ሓደገኛን መተሓሳሰብን እውን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ 15 ዓመት እኳ ኣብ ዝኮነ ከተማ ትግራይ ቆልዓ ዝነበረ ሕዚ ጎርማሳ መንእሰይ ሕዚ ከይድካ ኣይትረኽቦን። እዚ ዓመታት እሞ ግደፎ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝነበረ ሰብ ሕዚ የለን። ናይ መንእሰይ ወለዶ እዩ ኣብተን ከተማታት ዘሎ። ግን ቀልጢፉ እዩ ዝወፅእ ዘሎ። እዚ massive demographic movment እዩ ዘመላክት። ብትኽክል እንተመፂእካ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ሕማቕ ኣይኮነን። ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ምህላው ሽግር የብሉን ብገዛ ርእሱ፤ ግን ብጥንቃቐ ዘይትሓዝ ምኳኑ ኣስጋኢ እዩ።

ቁጠባዊ ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ  ኣነባብራና እውን እዩ ዝቕየር። ህዝቢ ክንቀሳቐስ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ ግን ካበይ ናበይ እዩ ዝብል ክፍለጥ ኣለዎ። carfuly monitored ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ጠቓሚ ዝኾነሉ ዕድል ንእሽተይ እዩ። ሓደ ናብ ሓደ ክእከብ ይኽእል እሞ እቲ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ዘይክኣኽሎ ይኽእል እዩ። ካልኣይ ክትስእኖ ትኽእል ኢኻ፤ ናብ ዘይኮነ ከምርሕ ይክእል። ሳልሳይን ብዓብይኡን ድማ ዘይክትጥቀመሉ እውን ትኽእል ኢኻ። እዚኦም ኩሎም ኣብ ትግራይ ኣለዉ እዮም። ወፂኡ ዝጠፍአ ኣሎ። ንወፃኢ ዝኸደ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከበ ኣሎ። ካብ ገጠራት ትግራይ ናብተን ከተማታት ዝመፀ እውን ኣሎ። ናብ መቐለ ዝመፀ ኣሎ። ካብ መቐለ እውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ብዙሕ እዩ።

ከም ትግራይ እቲ ዝበለፀ ሓይሊ ሰባ፣ ዝሓሸ ክእለት ዘለዎ፣ ሃፍቲ ዘለዎ፣ ዝሓሸ ዓቕሚ ፈጠራ ስራሕ ዘለዎ እዩ እቲ ዝወፅእ ዘሎ። ሒዙ እዩ ዝወፅእ። እዚ eastablished theory እዩ፤ ምፍላስ ዘሎ ካብቲ ዘለዎ እዩ። ክትወፅእ እንተደሊኻ እታ መሳፈሪ እኳ ክትህልወካ ኣለዋ ማለት እዩ። ምስ ከድካ እንታይ ከምትገብር እውን ኢኻ እተስልሕ። ድፍን ብዝበለ መልክዑ ዝስደድ ኣሎ እዩ ግን እቲ ዝበዝሕ ብስልሒት እዩ። ከይደ እንታይ ክሰርሕ ይክእል ኢሉ እዩ ዝኸይድ። ኣመዛዚኑ ዝከይድ እዩ ዝበዝሕ። ክኸይድ ዘኽእሎ ነገር እንድሕር ኣመዚኑ ይኸይድ። ክፀንሕ ዘኽእሎ ነገር እንድሕር ኣመዚኑ ይፀንሕ። እቲ ክብደት ኣመዛዚኑ ዝኸይድ እዩ እቲ ዝበዝሕ። ስለዚ እታ ክፀንሕ እተገብሮ ሚዛን ክተመዝን ናይ ምግባር ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና እያ እታ ዘረባ።

ኣነ ናይ ኣተሓሳስባ ሽግር ኢለ ኣይወስዶን። ብስሩ ኣነ ዝገርመኒ ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ሓደ ፀገም ኩሉ ፀገም ናይ ኣተሓሳስባ ፀገም ገይርካ ናይ ምውሳድ ፀገም ኣሎ። ኩሉ ነገር ናይ ኪራይ ኣካብነት ፀገም ገይርካ ናይ ምውሳድ ፀገም ኣሎ። ኪራይ ኣካቢነት ሓንቲ እያ። ኣተሓሳስባ ምቕያር ስኽ ኢልካ ዝመፅእ ኣይኮነን። “ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ነምፅእ” ዝብሃል ዘረባ እኒሀ። ከመይ ገይርካ ክመፅእ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ድኣ? እዚ ኮ ዝመፅእ ሰብ ስለዝኾነ ባዕሉ ‘ዩ ዝቕየር፣ ብኹነታት ማለት እዩ። እምበር ሰባት ኣኪብካ ኣተሓሳስባኹም ቀይሩ እንተኢልካዮም ይቕይሩ? ኣይቕይሩን። ንኽቕይሩ ዝገብር  ኩነታት ኢኻ ትፈጥር። ኢንቫይሮንመንት ኢኻ እተዕሪ። ባዕሎም ክሓስቡ ናይ ምግባር ዕድል ኢኻ እትህቦም። ሕዚ ስኽ ኢልካ ንምንታይ እዩ መንእሰይ ዝስደድ ዘሎ ጥምር ዝበለ ገምጋምካ እስኪ ሃበኒ እንተኢልካዮ ዝህበካ መልሲ “ናይ ኣተሓሳስባ ፀገም” ዝብል ክኸውን ይኽእል እዩ እቲ ቀዳማይ መልሱ። ንዓይ ግን እዚ ኣተሓሳስባ እዚ እዩ እቲ ፀገም። ናይ ኣተሓሳስባ ፀገም እዩ ዝሰዶ ዘሎ ኢልካ ምሕሳብ እያ ናይታ ፀገም ፀገም እየ ዝብል። እዚ መፅናዕቲ እዩ ዘድልዮ። ክፍለጥ እዩ ዘለዎ። እንታይ እነተገበርና ኢዩ ዝፀንሕ ኢልካ ኢኻ እተጽንዕ። ብናይ ባዕልኻ ገምጋም እትገብሮ ኣይኮነን። ከም ተመራማሪ እውን ኣነ ዝርእዮም ኣለዉ እዮም።

ሕልፍሕልፍ ኢልካ እትርእዮም መበገሲታት እቲ ፀገም ናይ ኣተሓሳስባ ዘይምዃኖም ዘርእዩ ኣለዉ እዮም። ንኣብነት ምሁር ንምንታይ ይኸድ እንተኢልካ ምሁር ዝምሃር  ምስተምሃረ ክሰርሖ ንዝኽእል ወይ ንዝደልዮ ነገር ንምስራሕ እዩ እወ ዶ? ስኽ ኢሉ ክኽፈሎ ጥራይ ኣይኮነን። ስለዚ ምሁር ክሰርሖም ዝክእል ነገራት እንድሕር ዘይሃልዮም ኣይፀንሕን። ስለዚ ኣብቲ  ኸባቢ ወይ ምሁር ዝሰርሖም ነገራት የለውን፤ ተወዲኦም እዮም ኢልና ክንድምድም ኣለና። ወይ ከዓ ኣይፈጠርናዮም። ምችው ኩነታት የለን ማለት እዩ። ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም እዮም።

ንዓይ ግን ስለዘይፈጠርናዮም እዩ እየ ዝብል። ስራሕ ኣለና፤ ምሁር ዝጠልብ፤ ግን ኣይፈጠርናዮን። ኣብዚ ግን ክንጥንቀቖ ዘለና ድማ ኣሎ። እቲ ምሁር እውን ናይዚ ኩነታት እዚ ኣካል እዩ ክኸውን ዘለዎ። ናብቶም ነዚ ዝመርሑ ኣካላት ጥራይ ዝድርበ ኣይኮነን። ክንዛተየሉ ዝግባእ ነገር እዩ። ኩላትና ነናይ ባዕልና ብፅሒት ክንወስደሉ ዝግባእ ነገር እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ሕዚ ገለገሊኡ ኣብ ቦተኦም ኮይነ ክሓስብ እውን ይፍትን እየ። ኣብ ቦትኦም ኮይንካ ክትሓስብ እንተለኻ ገለገሊኦም ኣይፈልጥዎን። ገገሊኦም እውን ጊዜ ኣይብሎምን ከምዚታት ክሓስቡ። እቲ ምሁር ዝብሃል እውን ስኽ ኢሉ ብዝኾነ ንእሽተይ ነገር ተጎረፋፊጡ ክሃድም እውን ኣይግባእን። ንናብራ ንህይወት ዘፀግም ነገር ክሳብ ዘይገጠሞ ኣዐርዩ ከምርር እውን ኣይብሉን እቲ ምሁር።

ክሳብ ሕዚ ዝገበርናዮም ነገራት ኮይኖም እዮም። ካብ ሕዚ ግን ክሕሰበሉ እዩ ዘለዎ። ናይ ምፍላስ ነገር ሓደገኛ እዩ። ብፍላይ ንትግራይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ እዚ ነገር እዚ ኣጀንዳ ምግባር። ዕድላት ስለዘየለዉ እዮም ድማ ኣገደስቲ ዝገብሮም። ፕራይቬት ሴክተር እዩ ነቲ ቁጠባ ዘለዓዕሎ። ጠንካራ ውልቀ ሴክተር ክህልወካ እንተኮይኑ ድማ ጠንካራ ዝበሃል ፖሊሲ ክህልወካ ኣለዎ። ናይ ታክሴሽን፣ ናይ ሓገዝ፣ ናይ ኣተሓሕዛን ሰናይ ምምሕዳር፣ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ወዘተ ክፍተሹ ኣለዎም። እቲ ናይ ፈጠራ ስራሕ ክእለታት እውን ገና ካብ መሬት ኮስኵስካ ክተውፅኦ ክትክእል ኣለካ።  እንታይ ዝመስሉ ሰባት  ኢና ክነውፅእ ንሓስብ ዘለና ዝብል እውን ክርአ እዩ ዘለዎ። እዚ ብዓብይኡ ነቲ ዓዲ ዝመርሑ ኣካላት ዝምልከቶም ዋላ እኳ እንተኾነ ናይ ሓባር ብፅሒታት እውን ድማ ኣለዉና እዮም።

እዚ ክንዛተየሉ ክንሓስበሉ እዩ ዝግብኣና። ኣብዛ ሃገር እዚ ዘሎ ፖለቲካ እውን ዝፀልው እዩ። እቲ ልዕልነት ተጋሩ፣  ተጠቃምነት ትግራይ ገለመለ እናተብሃለ ዝልዓል ዘሎ ፀለመታት እውን መበገሲኡ ኣብ ትግራይ ዘለና ኩነታት ስለዘይተመዓረየ ባዕልና ዝፈጠርናዮ እዩ ኢለ እየ ዝግምት። ምኽንያቱ ካብ ፕሮፌሰር ክሳብ ለማኒ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂእና። እዚ ክርእዩ እንተለዉ ምስቲ ዝብሃል “ድንጋያማ ነው” ገለመለ ዝብሃል misconception “ድኻታት እዮም፣ ብዘይብኣና ኣይነብሩን፣ ሽግረኛታት እዮም፣ እነተደፋእናዮም እውን ናብ ዝኸድዎ ኣይብሎምን” ዝብል መበገሲ እውን እዩ ዘለዎ፤ እዚ ክርሳዕ ኣይብሉን። ስለዚ ንባዕልካ ምኽኣል፣ በሊዕኻ ምሕዳር እሞ ካብኡ ንንየ ምኻድ ነዛ ሃገር እዚኣ ድሕንነት ወሳኒ እዩ።

ኢትዮጵያ ንምንታይ እያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣዝያ ተገዳሲት ዝነበረት? ባሕሪ ስለዝነበራ እዩ። እምበር ኤርትራውያን ፍሉያት ስለዝኾኑ ኣይነበረን። ስለዚ ክንደላለ ምእንታን እውን እዩ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ክስራሕ ዘለዎ ኣብ ትግራይ። ስለዚ ኣብ ባዕልኻ እትሰርሖ ስራሕ ንምርግጋዕ ሃገር እውን እዩ ዝጠቅም።

ቅሩብ ብትን ኣቢልና ንምርኣይ፤ እቲ ሃፍታም ኣብ ትግራይ ከይፀንሕ፣ ወፂኡ ናብ ኣምሓራን ኦሮምያን (ናይ ኣዲስ ኣበባ ንግደፎ እሞ ናይ ባዕሉ ርኡይ ምኽንያት ስለ ዘለዎ) ይኸይድ ዘሎ ብጭቡጥ እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ? ንኣብነት ኢንቨስትመንት እንተወሲድና ኣብ ትግራይ ትሑት እዩ። ኣብ ኦሮምያን ካልእን ሰላሳ ኣርብዓ ሚኢታዊ ዕብየት እናመዝገበ ኣብ ትግራይ ግን ክልተ ሰለስተ እዩ ዘሎ እሞ ካብ ትግራይ ዝደፍኦ ዘሎ እንታይ እዩ ናብ ካሊእ ዝስሓበሉ ዘሎ ምኽንያት ከ እንታይ እዩ፤ ዝብል ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ ዝመስለኒ? ብቶም ረቛሒታት ናይ ኢንቨስተምንት እስቲ ንርኣዮ ብቕንዕና?

ፅቡቕ! እሞ እዚኣ ንምርኣይ ክትሕግዘና ሓንቲ ነገር ምልዓል ኣገዳሲት እያ። ኣብ ትግራይ ከባቢ ክግበር ዝኽእል ኢንቨስትመንትን ኣብ ካልእ ክግበር ዝኽእል ኢንቨስትመንትን ለውጢ ክህልዎ ዝገብር ሓደ ወሳኒ ጉዳይ ሰላም እዩ። ድሕንነት እዩ። ሃፍታም ሚልዮናት ከፍስስ ኢካ ትሓስቦ ዘለኻ። ርግፀኛ ክኸውን ኣለዎ። ርግፀኛ እኳ ዋላ ኣይኹን ግን ድልዱል ውሕስና ክህልዎ ኣለዎ።

እዚ ዓብዪ ረቛሕ እዩ። እታ ናይ ኤርትራ ጉዳይ እተምፅኦ ፅልዋ ዓብዪ እዩ። ብፍላይ ናብ ማእኸላይን ምብራቕን ገፅ ዘለዋ ከባቢታት ብጣዕሚ እዩ ዝፀልወን። ኣማኢት ኣሽሓት ወተሃደር ኢና ኣቐሚጥና ዘለና ኣብኡ። ኣብ ተፋጠጥ ኢና ዘለና። any time anything can happen.   ንባዕልኻ ሚልየነር ገይርካ ሕሰብ እሞ ኣብኡ ከይድካ ኢንቨስት ንምግባር ሕሰብ። ኣይትገብሮን! ምኽንያቱ ክትፈርሕ ኢኻ። ክትስከፍ ኢኻ። ክጠፍኣኒ እዩ። ክኸስር እየ ኢልካ ምሕሳብካ ኣይተርፍን። እሞ ድማ ኣማራፂ ቦታታት እናሃለወካ ንምንታይ ከምኡ ትገብር። እዚ ዋላ ንተጋሩ እዩ። ኢንቨስተር ማለት rational ሰብ እዩ። ብዛዕባ ከስቢ እዩ ዝሓስብ። ብስምዒት ዝግበር ነገር የለን። እዚኣ ዓባይ ፅልዋ ኣለዋ።

ካብኡ መለሽ ግን ሙከራታት ክፍጠር ኣይነበረን ኢለ ግን ኣይግምትን። ክንከድ ንኽእል ነይርና ኢና ቅሩብ። ካብ ትግራይ መፅዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሓራን ገሊኡ እውን ምስቲ ናይ ትግራይ ዘይውሑስነት uncertinity ኣብ ዝመሳሰል ከባቢ ኢንቨስት ዝገበሩ ኢንቨስተራት ኣለዉ። እዚ ዝወለዶ ብርክት ዝበለ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ናይ ኢንቨስትመንት ግልጋሎት ፀገማት ኣለዉ ነቲ ኢንቨስተር ዝደፍእዎ። ስኽ ኢልና ንሱ ሓቢእናዮ ጎቦ ጎቦ እንተውጊዕና ሕማምና ክንሕክም ኣይንኽእልን። ብውነ ክርኣዩ ዝግበኦም ናይ ኢንቨስትመንት ማሕንቖታት ኣለዉ እዮም ኣብ ትግራይ። ብጣዕሚ ቁልፊ ዝኾኑ። ምችው ዝኾነ ናይ ኢንቨስትመንት ሃዋህው ኣሎ ኢለ ኣይግምትን። እቲ ድልየት የለን ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ። እቲ ድልየት ፅቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ብተግባር ክትርእዮ እንተለኻ (ብርግፅ እዚ እውን መፅናዕቲ የድልዮ እዩ) ግን ኩነታት ኢንቨስትመንት ትግራይ ምችው ኣይኮነን’። ብርክት ዝበሉ ናይ ምሕደራ ፀገማት ኣለዉና እዮም። ብኣብነታት ዝግለፁ እውን ኣለዉ።

ሓደ ኢንቨስተር ዚኣ ደልየ ኢሉ ክመፅእ እንተሎ ፈለማን ቅድሚ ኹሉን ንባዕሉ ከም ተጠቃማይ ገይርና ክንርእዮ ኣይግባእን። ኣብቲ ናይ ውድድር ሃዋህው ኮይንና ኢና እዚ ፀወታ እዚ እንፃወት ዘለና። ስለዚ ንሕና እንተዘይሒዝናዮ ከይተጠቐመ ክተርፍ እዩ ኢልና ኣይኮናን ክንሓስብ ዘለና። እዚ ጌጋ እዩ። ናብ ካልእ ምኻዱ ኣይተርፍን። ስለዚ ፅቡቕ ተቐባሊ  ምዃን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ዘለዎ ኢና ከይድና ክነምፅኦ ዝግባእ። እዚ ናብ ትግራይ ክነምፅኦ እንተለና ከይድካ ኢንቨስተር ምምፃእ እሞ ይትረፍ እቶም ባዕሎም ዝከዱ ዘለዉ እውን ብደንቢ ይመቻቸወሎም  ኣሎ ኢለ ኣይግምትን። ኣነ ዝፈልጦም ፍፃመታት እውን ኣለዉ። ስለዚ ዕንቅፋታት ኣለዉ።

እዚኦም ኩሎም ሓፈሻዊ ናይቲ ሲቪል ሰርቫንት ፀገማት እዮም ኢልካ ክትገልፆም ትኽእል ትኾን። ንዓይ ግን ካብኡ ንላዕሊ እዮም። ኣብ ኢንቨስትመንት፣ ኣብ ውልቀ ሴክተር፣ ኣብ ቀፃሊ ዕብየት ዘለና ኣተሓሳስባ እውን ትርጉም ዘለዎ እዩ ዝመስለኒ። ኣብዚ ነዃላት ኣለዉ።

ዓበይቲ ናይ ትእምት ትካላት ኣለዉ፤ በቢ ሰፈሩ ስርሓቲ ዝሰርሑ። ሓደ ኢንቨስተር ከይዱ እዚኣ ክገብር ደልየ እንተኢሉ ኣብ ትግራይ፤ የለን! እዚ እማ ትእምት ትገብሮ ኣላ እያ፤ ስለዚ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን፤ ካልእ ዓይነት ዓውዲ ሞክር ዝብሃል ዓይነት ከምዘሎ ይስማዕ እዩ። እዚ ንዓይ ነዊሕ ፅልዋ ዘለዎ ናይ ቁጠባ ምርጫ ኢና ንገብር ዘለና ማለት እዩ። ሓደ ናይ ትእምት ትካላት ውፅኢታውነት ንቕንሰለን ኣለና። ተወዳዳሪ እንተዝህልወን እየን ዝጥቀማ ነይረን። ውድድር ዘምፅኦ ውፅኢታውነት ይስእና ኣለዋ እተን ናይ ትእምት ትካላት። ብካልኣይ ደረጃ ድማ ሃፍታትና እውን ብናይ ትእምት ትካላት ጥራይ ተጠቒምና ክነውፅኦን ክንርብሓሉን ዘይክንክእል ንኸውን። ልዕልአን የድልየና ይኸውን። ሰለዚ ገና ንገና ብዛዕብኡ ምሕሳብ ትኽክል ኣይመስለንን።

በቲ በለ በዚ ሓቂ ይኹን ግምታዊ ( either real or perceived ) ብዝኾነ መንገዲ እዚ ነገር እዚ ይልዓል እዩ። ኣብዙይን ኣብቱይን ብፍኑው እተሰምዖ ነገር ኣሎ። እዚ ክስተኻኸል ዘለዎ እዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ ቢሮክራሲ መስመራት ምሕፃር የድሊ እዩ። ከም ‘ቲ ሕዚ ኣብ ሃዋሳ ኢንዳስትሪ ፓርክ ተጀሚሩ ዘሎ ኩሉ ነገር ብሓደ መስኮት ናይ ምውዳእ ስሉጥ ስራሕ ክህልው እዩ ዘለዎ። መዓት ገፊሕ ነገራት እንዲና ነውግዕ ዘለና፤ እዚ ንምግባር ብዙሕ ነገር እዩ ዘድሊ። ፖለቲካዊ ቁርፀኝነት  ጥራይ ኣይኮነን ዘድሊ። ዝማዕበለን ክኢላን ሓይሊ ሰብ የድሊ። እንታይ ክትሕግዝ ከምዘለካ ምፍላጥ የድሊ እዩ። ፖለቲካዊ ቁርፀኝነት   ንዓይ ሓደ ክፋሉ እዩ። ኣብ ዝኾነ ዓብዪ ናይ ውሳነ ቦታ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣነ ንኣብነት ፖለቲካሊ ብጣዕሚ ግዱስ ክኸውን ይኽእል እየ፤ ግን ክገብሮም ዝኽእል ነገራት ውሱናት ክኾኑ ስለዝኽእሉ ይድረት ኣለኹ። ፍልጠት ዘይብለይ ምዃን ግን እዚኣ ጥራይ ኣይኮነትን እታ ትርጉማ። ኣብ ሓደጋ ምህላወይ ስለዝፈልጥ ኣብ ስግኣት እየ ዝነብር። ዝኾነ ኣካል መፂኡ ክወስዳ ይኽእል እዩ ዝብል  ስግኣት ኣብ ርእሰይ ኣሎ። ሽዑ እንታይ የ ክገብር? ሰብ እናሓለኹ፤ ሰብ እናጠመትኩ ክውዕል ክገብረኒ ይኽእል እዩ። ስለዚ ዓቕሚ ናይ ዘይምህላው ሽግር ጥራይ ኣይኮነን። ዓቕሚ ዘይምህላውካ ምፍላጥ ዝፈጥሮ ናይ ኣተሓሳስባ ፀገማት እዩ ዘስዕብ። ተወዳዳራይ ዝኮነ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ እንተሃልዩካ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ። ካልእ ዘገድሶ የለን። ምስኡ መበረታትዒ ነገር (reward and punishment) እንተሃልዩ፤  ናይ ስራሕን ዕብየትን መንገድታት እንድሕር ኣርኢኻዮ ብቕንዕና ብዝለዓለ ተወፋይነት እዩ ዝሰርሕ።. በዚ መንገዲ እንተዝኽየድ ኣብ ትግራይ ካብ ካልእ ዝሓይሽ እምበር ዝኸፍእ ኩነታት ኣሎ ኢለ ድማ ኣይሓስብን።

ናይ ስነ ቁጠባ ምሁራን መተባብዒ/ውረታ ወሳኒ እዩ (incentives matter) ይብሉ። እዚ እንታይ ማለት እዩ ውረታ ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን። ኣነ ስራሕ ተዋሂቡኒ  ዝሰርሖ ከም ሓላፍየይ ብዝተውሃበኒ ኣንፈት ጥራይ ዘይኮነስ ከም ክኢላ ኣነ ባዕለይ እውን ዝሓስቦ ሐሳብ ኣሎ ኣብቲ ስራሕ ንሱ። እቲ ናተይ ድልየትን ናይቲ ሓለፍየይ  ድልየትን እንትናበብ እዩ ፅቡቕ ስራሕ ዝስራሕ። እንተዘይተራኺቡ  ምስርሑ ኣጠራጣሪ እዩ። እቲ ናይ ሓላፍየይ ድልየት ፍርቁ እየ ዝሰርሖ። ወይ ድማ ብቲ ንሱ ዝልክዕኒ መንገዲ እየ ዝገብሮ።  እቲ ናተይ ድልየት ማሕበራዊ ረብሓ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሓለፍየይ ዝገብሮ ድማ ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅ ክኸውን ይክእል እዩ። ንሱ እየ ዘበላሹ ዘለኹ ማለት እዩ፤ ብናተይ ድልየት ክኸይድ ከለኹ። ስለዚ ናይ መጀመርታ ስራሕ ክስራሕ ዘለዎ ናይ ክልቴና ድልየታት ብሓደ ተናቢበን ዝኸዳሉ ኣብ መወዳእታ እውን ዝሓሸ ስራሕ ዝስርሓሉ መስርሕ እዩ ክህልው ዘለዎ።

እዚ ንምግባር ካብ ኣመራርፃና እዩ ክጅምር ዘለዎ። ሕዚ ዘለና ስርዓት ሲቪል ሰርቪስ  ካብዚ ጠቕሊሉ ዝወፀ እዩ። ክንግምግሞ እንተለና ሽዑ ኪራይ ኣካብነት ገለመለ ኢልና ኢና እንግምግሞ። እዚ ንዓይ ጌጋ እዩ። ውህደት እዩ ክህልው ዘለዎ። እዚ ማለት ድልየታት ናይ ሰባትን ናይ ሕብረሰብን ብሓደ ክኸዱሉ ዝኽእሉ ተወዳዳራይ ዝኾነ ሰብ እንተተጠቒምና ኢና። እቲ መተባብዒ ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን ዝበልና እውን ንዕኡ እዩ፤ ክሰርሖ ዝደሊ ክተስርሖ ምኽኣል ማለት እዩ። ሰብ እኮ እዩ። ክሰርሖ ዝደልዮ እኮ ኣለዎ ኣብ ርእሱ።  ንኣብነት ጋዜጠኛ እንተኾይኑ እኮ መጀመርታ ዝሓስቦ ፅቡቕ ጋዜጠኛ ክኸውን እየ ዝብል እዩ፤ እምበር ሌባ ክኸውን ዝብል ኣይኮነን።  ጋዜጠኛ ክኾን ደልዩ ከይኮነ ክተርፍ ከሎ ሌባ ምዃን ይጅምር። ስለዚ ናብ ሞይኡ እዩ ክፅጋዕ ዘለዎ። ስለዚ እቲ ሓደ ዓብዪ ናይ ሰቪል ሰርቪስና ፀገም እቲ ሰራሕተኛ ኣቆፃፅራና ብመሪት ስለዘይኮነ እሞ ካልእ መዐቀኒታት ክነምፅኣሉ ክንጅምር እንተለና ከም ሃገር እየ ዝብለካ ዘለኹ፤ ናብ ትግራይ እንትወርድ ድማ ይገድድ ማለት እዩ፤ እዚ ክኸውን እንተሎ እዩ ዝበላሾ። ንኣብነት political commitment ንውሰድ። እዚ ከም መዐቀኒ ስለእንወስድ እዚ ንምዕቃን ድማ ከቢድ እዩ።  ባዕላዊ (subjective) እዩ ብባህሪኡ። ርእሱ ገሊኡ ኣይኮንካን እትምዝኖ። ኣብ ኣኼባ ክዛረብ እንተሎ ሰሚዕኻ ኢኻ ፖለቲካል ተኣማንነት እትዕቅኖ። ስለዚ ፅቡቕ ይዛረብ ኣሎ ኢልካ ከም መዐቀኒ ምውሳድ እዩ ፀገም ዝኸውን። ኣብ ኣኬባ እኮ ዝኾነ ነገር እናሓሰበ እዩ ዝዛረብ፤ ሰብ። እዚ ከም መዐቀኒ እንትውሰድ ሌብነት ይጅመር። ነገራት ብመሪት  እንተገይርካዮም እቲ ፖለቲካል ውፍይነት ዝብሃል ነገር እውን ምስኡ ዝኸይድ ብሓደ ዝመፁኡ እዮም ዝኾኑ።  ሕዚ ናብኣ እንተዘይኣቲና ፈሐት ኣይንብልን። ከቢድ እዩ። ድሕሪ ሕዚ ዘሎ ናይ ልምዓት ጉዕዞና merit based ክኾኑ ትፅቢት ስለዝግበር እዩ። እዚ ድማ እቲ ናይ ፓርቲ ስርዓት፣ ናይ ምሕደራ ስርዓት፣ ሓፈሻዊ ኣካይዳና እዩ ክልውጦ። ክዕረ እንተኾይኑ እታ ቁልፊ ኣብኣ እያ ዘላ። ቀሊል ኣይኮነን፤ ግን ብወሑድ ከምኡ እንተንፍትን ብውሕዱ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ኢና ንፍትን ዘለና። ሕዚ ግን ካልእ ኣንፈት ሒዝና ኢና ንንቀሳቐስ ዘለና።

ኩሉ ህዝቢ ካድረ ገይርካዮ ኩሉ ታኣማናይ ኮይኑ  ዓይኒ መንግስቲ ኮይኑ ክሕልወካ ማለት ኣይኮነን። ዓይኒ ኣዕቢኻ ማለት ኣይኮነን። እዚ ኣካይዳ እዚ እኮ ደርግ መኵርዎ እዩ። ከመይ ገይርካ ንሱ ይሕሰብ። ክኸውን ኣይኽእልን።

ከመይ ገይርካ ኢኻ ብተኣማንነት ጥራሕ ክትሓስብ ትኽእል? ሰብ ብመሰረቱ ናብ ሓደ ነገር ክኣቱ እንተሎ ወይ ክኣቱ ክመርፅ እንተሎ ዝሓስቦም መዐቀኒታት ኣለውዎም። ናብ ሓደ ስራሕ ክኣቱ እነተኮይነ ከምሰራሕተኛ እታ ስራሕ እንታይ ትመስል፣ ቶም ሰባት ታይ ይመስሉ፣ ኣካይዶኦም ከ? ዝብል ኢካ ትሓትት። ደስ ዝብለካ እውን ኢኻ እተመርፅ። ኣነ ጥዑይ እንተዘይኮይነ ናብ ጥዑይ ትካል ኣይኣቱን።  ጥዑይ ዘይኮንካ ኣብ ጥዑይ ምእታው ክምችወካ ስለዘይክእል እዩ። ሓደ ማዓልቲ ድማ ደፊኡ ከውፅአካ እዩ። ስለዚ ተደፊአ ንክወፅእ ኢለ ኣይኣቱን። ከምልጠሉ ዝኽእል ዕድል እንተሎ ኢለ እየ ዝኣትው። ስለዚ competitive environment  ምፍጣር ገና ንገና ንመረፃ ይሕግዘካ እዩ እየ ዝብል ዘለኹ። እቲ ኩነታት ኢኻ ሌባ ዘየሕብእ እትገብሮ ኣቐዲምካ። ድሓር ሰብ ባዕሉ እዩ ዝሕሾ ዝመርፅ። ናብ ክዕወተላ ዝኽእል እዩ ዝኸይድ። መሕብኢ እንተሃልይዋ እሞ እዚኣ እንተተፈሊጣ ግን ኣብኣ ክሕባእ ይኣቱ ማለት እዩ። ስለዚ ገዛኻ ምፅራይ ዝመስልዎ የለን።

ስለዚ ምሁር ንምንታይ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እንተኢልካኒ ብዉሑድ እቲ ሓደ ምኽንያት እዚ እዩ።  ጉልበተይ፣ ፍልጠተይ ከርእየሉ ዝኽእል ባይታ እኒሀ ኢሉ እንተሓሲቡ እ ዩ ምሁር ምሳኻ ዝፀንሕ እምበር ሙልጭልጭ እናበልካ ዝንበረሉ እንተኾይኑ ሃዲሙ እዩ ዝኸይድ። መሪፁ ዝመፀአካ ምዃን የድሊ።

###

ናብ ንስኻ ዘፅናዕኻዮም ስርሓቲ ንምፃእ ዶክተር። እቲ ዘዋጋዕካና እውን ካብኡ ዝመፀ እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ናይ ማይክሮፋይናንስ መፅናዕቲ ርእየልካ ኣለኹ። ንደደቢት ሕዚ ብዙሕ ይብሃል እዩ ኣብ ትግራይ። እቲ ኢሊት ብፍላይ ግን ከም ፀላኢት እዩ ዝቖፅራ። ህዝቢ ትግራይ ናብ ድከት ኣእትያቶ ዝብሃል ኣሎ። ናይ ሰፍቲኔት እውን ብዙሕ ሰሪሕኻ ኣለኻ። ምፅዋር ድርቂ ዝምልከት እውን ዘፅናዕካዮ ኣሎ። እዘን ካብ ባይታ ዘምፃእካየን ብጣዕሚ እየን ዘገድሳ እሞ ብዛዕባ እዚአን ክተዋግዓና ኢኻ። ኣብ ምምፃእ ልምዓት እውን ሓንቲ ነጥቢ ኣላ ክትዛረበላ ዝደልያ። ልምዓት ጉጅለ ዝብሎ ነገር ኣሎ። ብዛዕባ እዚ እውን ዝተወሰነ ክትብለና ኢኻ። ምስ ባህሊ ቁጠባ ትግራይ ተኣሳሲሩ እውን ክትዛረብ ይደሊ እየ። ውሕስና ምግብና ኸ ኣብ ከመይ ኣለና ዝብል ዘፅናዕካዮ ኣሎ። እዚታት ብዳታታት ዝተደገፈ ስለዝኸነ እንተዋጋዕካና ንኣንበብቲ ይጠቅም እዩ ኢለ ስለዝሓስብ እዩ?

ብማይክሮፋይናንስ ክንጅምር። ኣብ ፒኤች ዲ ትምህርቲ ሓደ ፅብብ ዝበለ ርእሲ ክተትኩር እንድዩ ዝምከር ናተይ ናይ ዶክትሬት ድግሪ ወረቐተይ ኣብ ዙርያ እዚ እዩ ነይሩ። ናይ ገጠር ፋይናንስ ዝምልከት rural financeing ዝብሃል እዩ ነይሩ። ንምንታይ እዩ ናይ ገጠር ፋይናንስ ኣድልዩ? ከመይ ከ እዩ ዝግትበር ዝብሉ ስነ ሓሳባውያን ዝመስሉ ነገራት ኣልዒልና ምዝታይ እንተጀሚርና፤ ኣፍራያይነት ክትውስኽ እንተደሊኻ ኢንቨስተመት የድልየካ። ብቤተ ሰብ ደረጃ ማለት እዩ እዚ።  ነዚ ድማ ፋይናንስ የድለየካ፤ ጥረ ገንዘብ የድልየካ። ገጠር ድማ ጥረ ገንዘብ የብሎምን። እኽሊ ኣሎ ካልእ ኣሎ። ግን ቅርሺ የለን። ቅርሺ ክረክቡ እንተኮይኖም ዕዳጋ ከይዶም ገለ ክሸጡ ኣለዎም። ላምባ ንክትገዝእ እኽሊ ክተቐንዕ ኣለካ። ሕዚ ሓንቲ ቅርሺ ዓባይ ዋጋ ኣለዋ ኣብ ገጠር ማለት እዩ። ናይ ድኽነት ሓደ መግለፂኡ ድማ ምስኣን ጥረ ቕርሺ እዩ። ቅርሺ ምስኣን እዩ መግለፂኡ።

ኣብ ገጠር ዘለዉ ቆልዑ ዝሓስብዎ ነገር ኣሎ። ኣነ ብኣካል እውን ዝርኣክዎ እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ትሓቶም ዝገርም ሓሳባት ይነግሩኻ። ግን ዕፅው እዩ። ቅርሺ ክህልዎም ኣለዎ ዝሓሰብዎ ክገብሩ። ኢዶም ተኣሲሮም እዮም። ንኣብነት ሓደ መንእሰይ ንህቢ ከፍሪ፣ መስኖ ክጅምር ገለ እንተደልዩ ቅርሺ የድልዮ። ቅርሺ ድማ ብስነ ቁጠባ ኣብ ኢድ ኩሉ ሰብ ክህልው ግድን ኣይኮነን። ሓሳብ እንተሃልዩካ ቅርሺ ካብ ዘለዎ ኣምፂእካ እቲ ዝደለኻዮ ገይርካ ፅባሕ ናብ ዋንኡ ክትምልሶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ጉዳይ ናይ ምትእስሳር ጉዳይ እዩ። ስለዚ ሎሚ የብልካን፤ ፅባሕ ግን ክህልወካ ዘኽእል ነገር ኣለካ፤ ስለዚ ተተኣሰስሮ ማለት እዩ። ልቓሕ ጠቓሚ ዝኸውን በዚ መንገዲ እዚ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ፋይናንስ እንተዝረክብ ሎሚ ፅባሕ ዝተለቀሖ ከፊሉስ ብናይ ባዕሉ ፋይናንስ ክጉዓዝ እዩ ማለት እዩ። ሕዚ እዚኣ እንተዘይረኺቡ ግን ኢደ እግሩ ተኣሲሩ ኣሎ ማለት እዩ።

ህዝብና ብወሳኒ መልክዑ ቀረብ ልቓሕ የብሉን። ኣብ ከተማ ቀረብ ኣሎ እዩ። ኣብ ገጠር ግን ዕፅው እዩ። ኣብ ከተማ ባክንታት ኣለዋ ገለመለ። ኣብ ገጠር ግን የለን። እዚ financial market failure እዩ ዝብሃል። እዚ ዝነግረካ ዘለኹ ዛዕባ በዓል ጆሴፍ ስትግልዝ ኖቤል ሽልማት ዝወሰዱሉ ዛዕባ እዩ። ንምንታይ እዩ ኮይኑ ናብ ገጠር ዘይከደ ፋይናንስ? ፋይናንስ ካብ ዓብዪ ፍርያት ዘለዎ ናብ ንእሽተይ ፍርያት ዘለዎ እዩ ዝኸይድ። ከም ማይ እዩ ዝፈስስ እዩ ዝብሃል።  መቐለን ዝኾነ ገጠርን እንተኣዋዳዲርካ መቐለ እዩ ተወዳዳራይ ዘለዎ። ኣብ ቲ ገጠር ድኣ ንስኻ በይንኻ እንዲኻ ዘለኻ። ናብኡ ክኸይድ እዩ ዝግባእ ነይሩ ብመሰረት እቲ ክልሰሓሳብ። እዚ ከይኸውን ግን ብዙሓት ማሕለኻታት ኣለዉ። ምስ ሃብኩካ ሒዝካዮ ክትጠፍእ ትክእል ኢኻ። ስለዚ ትሕጃ የድየኒ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ መን መን እዩ ዝብል ምፍላጥ ከድልየኒ እዩ ማለት እዩ። ኣብ ፋናንስ ከምኡ እዩ። ኮላተራል የድልየካ። ተኣሚንካዮ እውን ስክ ኢልካ ክትህቦ ትኽእል ኢካ። በዚ መንገዲ ባንክታት ናብ ገጠር ክኸዳ ኣይኽእላን። ትሕጃ ይደልያ እየን። ገባር ድማ ዘለዎ የብሉን። ዜሮ መትሓጃ እዩ ዘለዎ። በዚ መሰረት ኣብ ትሕቲ ድኽነት ይነብር።

ድኽነት ሒዝካ ክንበር ስለዘይብሉ፤ ሕዚ ናይ ማይክሮፋይናንስ ኣድላይነት ፋይናንስ ከመይ ገይሩ ናብ ገጠር ይኺድ ዝብል ሕቶ እዩ ዝምልስ። እዚ ነገር እዚ ኣብ ባንግላድሽ እዩ ሓደ ናይ ዩኒቨርስቲ መምህር ጀሚርዎ። ናይ ባዕሉ ካብ መሃይኡ ዘጠራቐመን ገንዘብ ገይሩስ ገንዘብ ንዘይብሎም ምሃብ ጀሚሩ። ስኽ ኢሉ ምሃብ ጀሚሩ። ሕዚ እቲ ዋና ነገር ኮላተራል ዘይብልካ ከመይ ገይርካ ትህብ እንድያ እታ ጉዳይ፤ ምኽንያቱ ብዕራይ እንተትሓዝካ እውን ክመውት ይኽእል እዩ እቲ ብዕራይ።ገዛ የብሉን። መሬቱ ናይ መንግስቲ እዩ። ምንም ኣየትሕዝን። ስለዚ ኣሚንካ ሂብካስ ዝተጠቐሙ ኣለዉ ዶ? ከመይ ገይርካ ኸ ሞዴል ይግበር ንሱ ዝብል እዩ እቲ ጉዳይ።

ናብቲ መበገሲ ንመለስ እሞ ባንክታት ንሰብ ከለቀሓ እንተለዋ ባህርታት ተለቃሓይ የፅንዓ እየን እወ ዶ? ዓቕሙ የፅንዐኦ እየን። እዚ ኣለዎ፤ እዚ ክገብር ይኽእል እዩ፤ ድሓን እዩ ወዘተ ዝብል ነገር እየን ዝሓስባ። እቲ ከምዚ ዝበለ ኣካይደአን ናብ ማይክሮፋይናንስ ነምፅኣዮ። ናይ ገጠር ሰባት ከምዚ ዝበለ መፅናዕቲ ከይገበርካሎም ባዕሎም ተረኣእዮም ዝሓሸ ሰብ መሪፆም ዶ ክሰዱልካ ይኽእሉ ዝብል እዩ እቲ ሓሳብ። ኣብዚ ዝመፅእ ምጉጃል ዝብሃል ነገር እዩ። እቲ ፋይናንስ ዝህብ ኣካል ስለዘይፈልጠካ፣ ትሕጃ እውን ስለዘይብልካ ንስኻን ኣብ ጎንኻ ዘለዉ ሰባትን እሞ ይጉጅለካ ንስኻ ንዕኡ ንሱ ድማ ንዓኻ ስለዝፈልጠካ ስክሪን ስለዝገብረካ ብኡ ኣቢልካ እቲ ልቓሕ ዝውሃበሉ መንገዲ ምምድማድ እዩ። እቲ ምጉጃል ነዚ ይጠቅም። ካብ ክልተ ድማ ሓደ ሓሙሽተ ትገብሮም እሞ ካብዚኦም እቶም ክልተ ሰለስተ እሙናት እንተኮይኖም ከም ውሕስና ክቑፀር ይክእል እዩ ዝብል መበገሲ እዩ ዘሎ።

እዘ ኣካይዳ እዚ ዓብዪ ሞዴል እዩ። ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ምስ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኪቡ።

ሕዚ ናብ ደደቢት ማይክሮፋይንስ ንምፃእ። ደደቢት ካብ ማረት እንትትውለድ ዝነበረ ናይ ምጅማር ሓሳብ በዚ እዩ። ዓብዪ ሓሰብ እዩ። ዓብዪ ሪቮሉሽን እዩ ከም ሓሳብ። ብዙሕ ነገር እውን እዩ ሰሪሑ። by the way ክነግረካ ካብ ከተማ ካሽ ተሰኪሙ ናብ ገጠር ዝኸይድ ማሕበረሰብ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ብባዕሉ ዓብዪ ነገር እዩ። ሓንቲ ቅርሺ ናብኡ ከይዳ ማለት ንስኻ ተጠቒምካላስ፣ሓረስታይ ወሲድዋስ ኣፍርዩላስ እንደገና ተመሊሳ ናብቲ ኢኮኖሚ ክትኣቱ እንተላ እዚ multiplier effect ዝብሃል እናምፅአት እያ እትኸድ። እቲ ፋይናንስ ምሽክርካር ይጅምር ኣሎ ማለት እዩ። በዚ ድማ እቲ ማሕንቖ ቅርሺ ዝብሃል ዝነበረ ጥንግንግ ኢሉ ዝነበረ ናይ ፋይናንስ ኩነታት ፈታሕታሕ ንክብል ገይርዎ እዩ። ክንድቲ ዝግባእ ግን ዕውት እዩ ምባል ኣይከኣልን።

ኩሎም ገባራት ኣይኮኑን ንደደቢት ብኹፉእ ዝርእይዎ። መፅናዕቲ ገይረ እየ፤ ብስሩ እውን ኣብኡ እዩ እቲ መፅናዕተይ ዝሰራሕክዎ። ስለዚ ኣብ 16 ገጠራት ትግራይ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናኸድና ዝርኣይናዮ እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ብዙሓት ተጠቐሚሞም እዮም። ሓደ ሓደ ድክመታት ኣለዉ ብርግፅ። እቲ ሽግር ነዞም ድኽመታት እዚኦም ንምእራም ዝተከደ ክያዶ ድኹም እዩ። ብስሩ እውን ብዝግባእ ኣይተፈለየን። ንዓኣቶም ክምልስ ዝኽእል ነገር ኣይተገበረን። ድኹም እዩ እቲ ምንቅስቓስ። ድሕሪ ምጥያሽ ማይክሮፋይናንስ እቲ ኣሰራርሓ መዓት ጊዜ እዩ ተቐይሩ። ኣብ ደደቢትን ካልኦት ናይ ዓድና ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ግን ኣብ ዝነበርኦ ዓይነት ኣካይዳ እዩ ዘሎ። ብጉጅለ ምሃብ እዩ ዘሎ ክሳብ ሕዚ። ክመሓየሽ ኣለዎ ክንብል እንተለና ስኽ ኢልካ ግምታዊ ኣይኮነን። ኣብ ከተማ ብጉጅለ ብጉጅለ ክትህብ እንተለኻን ኣብ ገጠር ብጉጅለ ክትህብ እንተለኻን ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ናይ ባንግላድሽ ዝበልኩኻ ኣብ ከተማ እዩ ሞኪርዋ። ስለዚ ኣብ ከተማ ናይ ምስራሕ ዕድል ኣለዋ። ኣብ ገጠር ግን ብምንታይ ትፈጥሮ?

ኣብ ከተማ ብሓደ ክንጉጀል እንተለና ግድን ኣይኮነን ኣባላት እታ ጉጅለ ሓደ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕ። ዝተፈላለየ ሞያን ኣወፋፍራን ክህልወና ይኽእል እዩ። ኣብ ገጠር ግን እንታይ ይገብር? ኣነን ንስኻን ኣብ ገጠር ግን እንታይ ክንሰርሕ ንኽእል? ብዋናነት ሕርሻ እዩ ክከውን ዝኽእል።  ድርቂ እንተመፂኡ ንኽልቴና ኢዩ ዘጥቅዕ። እቲ ሓሳብ ከምቲ ዝነገርኩኻ እዩ። ክልቴና ክንደጋገፍ እዩ። ኣብ ከተማ ኣነ እንተወዲቑ ንስኻ ግድን ኣይኮነን ክትወድቕ። ሓደ ዓይነት ስራሕ ስለዘይንሰርሕ። ስለዚ ኣነ እንተኸሲረ ንስካ ትኸፍል። ንዓመታ እውን  ከምኡ። ኣብ ከተማ ኣባላት እታ ጉጅለ ብሓደ ሓደጋ ናይ ምግጣም ዕድሉ ዳርጋ ዜሮ እዩ። እናተሸፋፈንካ እናተሓጋገዝካ ዝኽየድ እዩ። ኣብ ገጠር ግን እቲ ሓደጋ   1 ጊዜ ኣብ 10 እዩ። ሕዚ እናቐነሰ እውን ይኸይድ ኣሎ። ኣብ 8 ዓመት ሓደ ጊዜ ኣብ 5 ዓመት ሓደ ጊዜ ሓደጋ ናይ ምግጣም ዕድል እናመፅአ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ዕድል ሕዚ እውን ኣሎ። ስለዚ ኩላትና ክንውቃዕ እንተለና ኩላትና ናይ ምኽፋል ዓቕምና ይመውት ኣሎ። ሽዑ ደደቢት ኣይትምሕረናን፤ መልሱ እያ እትብል። ከምኡ እውን እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ስለዚ እቲ ሓሳብ ካብ ድኽነት ንምውፃእ እዩ ነይሩ። ዘለና ሸይጥና ኢና እንምልሰላ እንድሕር ሓደጋ ድርቂ ኣጋጢሙ። ስለዚ ኣብ ከተማ ክሰርሕ ይክእል እዩ። ኣብ ገጠር ግን ክመሓየሽ ነይርዎ ክብል እንተለኹ ከምዚ እንተጋጥም እንታይ ክንገብር ኣለና ዝብል ክሕሰበሉ ይግባእ ነይሩ። ንኣብነት ዝኾነ ስርዓት ኢንሹራንስ እንተነኣታቱ፤ ካብቲ ዝወሰድናዮ ልቓሕ ንኢንሹራንስ ዝኸነ ነገር ከፊልና እንነብር ኣነን ንስኻን እንድሕር ወዲቕና ብሓፈሻ ንደደቢት ፀገም ዘይኾነሉ ዕድል ክህልው ምነበረ። ንዓና እውን ምሕረት ምኾነ። ምሕረት እኳ እንተዘይኮነ ንዓመታ ከመይ ገይርና ንኸፍል ዝብል ኣፋፍኖት ምተረኸበ። ንዓመታ ዝናብ ምስመፀ፣ ልቓሕና ኣናዊሓ ከመይ ገይርና ንመልሶ ዝብል ካልእ መንገዲ ምተርኣየ ነይሩ። ሕዚ ዘይንጨናነቐሉ መንገዲ ክፍጠር ምተገበአ። እቲ ገባር ዝብሎ ዘሎ እውን ንሱ እዩ። ሕዚ ኣምፅእዋ ስለዝብልዎም ሓደ ሓደ ጊዜ ይፅግም ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ምምሕያሻት እንተተገይሮም ብሓፈሻ እቲ ናይ ማይክሮፋይናንስ ሓሳብ ፅቡቕ ሓሳብ እዩ።

ካብ 2002-2006 ብፈረንጂ ዝነበረ መረዳእታ ሒዝና እንተኣዋጊዕና ሽዑ ከምቲ ዝበልኩኻ ካብ 16 ጣብያታታት ዝተወሰደ መረዳእታ ከምዘመላኽቶ ብሚኢታዊ እቲ ዝበዝሕ ተጠቃማይ ምንባሩ እዩ ዘርኢ። ለውጥታት ኣምፂኡ እዩ። ግን ከም ውፅኢት እቶም ዓንተቦይ ዝበልኩኻ ነገራት ነይሮምዎ እዮም። እቶም ነገራት ንሳቶም ከመይ ከይርካ ይመሓየሹ ኢለ ዘቐመጥክዎም ለበዋታት እውን ነይሮም። እቲ ወረቐት እውን ንኹሉ በፂሕዎ እዩ ግን ዝርኣዮ ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይግምትን። ኣብ ኩሉ ቦታታት ከይደ እውን ኣቕሪበዮ እየ። ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝተዳለወ ዓበይቲ ኮንፈረንሳት  ኣቕሪበዮ እየ። እቶም ናይ በዓል ስትግሊዝ ሞዴላት እውን ከመይ ገይሮም እዮም ምሳና ዝኸዱ ዝብል እውን ከርኢ ፈቲነ እየ። ኣብኡ ክስራሕ ዘለዎ ነገር ኣለዎ። ክንእከብ ኣለና፣ ክንሓስብ ኣለና ከመይ ንግበር ኢልና ከምቲ ዓንተቦይ ዝበልኩኻ።

ኣብዛ ርእሲ እዚኣ ዝብሃል ካልእ እንታይ ኣሎ ወለድ ዝምልከት እዩ። ተጋኒኑ እቲ ወለድ ዝብል ኣሎ። ናይ ህዝቢ እናሃለወስ እዚ ኩሉ ወለድ ዝብል ሕቶ ኣሎ። ከመይ ኢኻ ትርእዮ?

ተለቃሓይ ዜሮ ወለድ እዩ ዝደሊ ኩሉሻብ። ግን ወለድ ኣድላዪ ዝኾነሉ ምክንያት ኣሎ። ወለድ ዝውሰነሎም መንገድታት ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ስግኣት/ሓደጋ (ሪስክ) እዩ። ልቓሕ ሂብካዮ ናይ ምምላስን ዘይምምላስን ዕድሉ እዩ ወለድ ክትትምን ዝገብር። እታ ወለድ ልዕል እተብላ እታ ናይ ምምላስ ዕድላ እንድሕር ዕብይ ዝበለት ኮይና እያ። ገጠር ስለዝኾነ እሞ ናይ ገጠር ሓደጋታት ስለዘለዉ እቲ ወለድ ንሱ ሰማይ ክበፅሕ እዩ ነይርዎ። ካልእ ኣብዚ ዝውስን ንሰራሕተኛታትን ገለን ዝኽፈል ክፍሊት እዚ transaction cost ዝብሃል  ኣሎ። ስለዚ ባዕሉ ክኢሉ ክኸይድ እንተኮይኑ እዚአን ክሽፍን ምዃኑ ርግፀኛ ክኸውን ኣለዎ።

ደደቢት እውን እዚአን እያ እትገብር። ብመሰረት ‘ዚ እቲ ፍሰት ቅርሺ እንተወሲድካ ደደቢት ከቢድ መሃያ ኣይኸፍሉን። ቢሮኦም ኣዝዩ ዝተመላኽዐን ብዙሕ ፋይናንስ ዝጠልብን ኣይኮነን። እዚታት እቲ ወለድ ንእሽተይ ክኸውን ገይርዎ እዩ።  እቲ ወለድ ካብ 15 ክሳብ 18 ሚኢታዊ እዩ ብኢትዮጵያ ደረጃ፤ ናይ ደደቢት እውን ኣብዚን ትሕቲኡን እዩ ዝርከብ።

ስግኣት ዝብሃል ባእታ ክተልዕል እንተለኻ ግን ሓያል ሓደጋ ስለዘሎ እቲ ወለድ እውን ንሱ እዩ ዓብዪ ክኸውን ገይርዎ።  ኣብ በዓል ኣሜሪካ እንተኸይድካ ኮ ክሳብ ሰብዓ ክሳብ 60% ወለድ እዩ ዘሎ። ኣባና እውን እቶም ሃረፅቲ እንተወሲድካ ከምኡ እዮም። ሃረፃ ንዓይ (very important economic concept እዩ) ከም ኢኮኖሚስት ንዓይ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን። ባንኪ ስለዘየለ እቲ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ ከም ፋይናንሻል ትካል ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ። ንምንታይ እዩ ልዑል ገንዘብ ዝሓትት ኣሃራፃይ? ዓብዪ ሪስክ ስለዘለዎ እዩ። ናይ ኣሃራፃይ ወለድን ናይ ማይክሮ ፋይናንስ ወለድን ሕሰብ። እቲ ትኽክለኛ ወለድ ናብቲ ናይ ኣሃራፃይ ወለድ ዝፀጋጋዕ እዩ። ንሳተን ዘቖርፅኦ ዘለዋ ወለድ ግን ትሕቲ እቲ ናይዚኦም እዩ። ሃረፃ ብወርሒ 20% እኳ እንተሓሲብካ ብዓመት ኣባዘሓዮ። ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። እቲ ክኸውን ዘለዎ ወለድ ንሱ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ደደቢት ንእሽተይ እዩ በሃላይ እየ። ስለዚ እቲ መፍትሒ ዝብሎ ዘለኩ እቲ ወለድ ምቕናስ ኣይኮነን፤ እቲ ሓደጋ ምቕናስ እዩ። ኢንሹራንስ የድልየና፣ ሕግን ስርዓትን የድልየና፤ መንነት ተለቃሕትና እንፈልጠሉ ማለት እዩ፤  ስለዘይንፈልጦም ኢና ንፈርሕ እሞ ወለድ ንፅዕን ዘለና።

ሕዚ ደደቢት እዩ ዘሎ እቲ ዋና ፍልፍል ፋይናንስ ኣብ ህዝብና። ሕዚ ንባዕላ ብጣዕሚ እያ ዓብያ። ብዙሕ ገንዘብ እያ እተንቀሳቕስ ዘላ። ነቲ ሕብረተሰብ ኣዕብያ ድያ ዓብያ ወይስ ከምቲ ዝብሃል መዝሚዛ እያ ዓብያ?

ግርም! መዝሚዛ እያ ዓብያ ዝብል ከቢድ ገምጋም እዩ። ኩለን ይፈልጠን እየ እተን ልቓሓት። ምስ ብዙሓት ተጠቀምቲ ናይ ምውጋዕ ኣጋጣሚታት እውን ኣለኒ። ድሕሪ ኣነ ኣብቲ ዓውዲ መፅናዕቲ ምካየደይ ዝተለወጠ ነገር ዘሎ እውን ኣይመስለንን። ስለዚ ከቢድ ገምጋም እዩ፤ ዋላ እኳ ዝተወሰነ ነገር እንተሎ ክነዋግዓሉ እውን እንኽእል ኢና።

እቲ ዝሓየለ ስራሕ እቲ ናይ ገጠር እዩ። ብመሰረቱ ኣብ ሕርሻ ፋይናንስ ፈሰስ ምግባር ካብ ዝተመኮሮሎም ናይ ዓለም ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ እያ። እዚ ዝጀመሮ ድማ ደደቢት እዩ። ሓያል ሓላፍነት እዮም ወሲዶም። ብጣዕሚ ዓብዪ ስራሕ እዩ። ኣብ ካልኦት ዓለም ሃገራት ከይደ ፅሑፋተይ ከቕርብ እንተለኹ ብዙሓት ይገርሞም እዩ። “ከመይ ኣቢሉ ይሰርሕ?” ይብሉ። ኣይምኮርን ኣብ ካልእ ዓዲ። ስለዚ ምዕባዮም ኣይገርምን። ካብቲ ሕዚ ዘለዉዎ እዮም ክዓብዩ ነይርዎም ደደቢት። ኣብ ዓለም እውን ብቁፅሪ ተጠቃሚ እቲ ዝዓበየ ናይ ማይክሮፋይናንስ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ እዩ። ንሱ እውን እቲ ናይ ኣምሓራ ማይክሮፋይናንስ እዩ። ካልኣይ ድማ ደደቢት እዩ። ኣብ ዓለም እየ ዝብለካ ዘለኹ!

ኣብ ብዙሕ ዓለም ዝሙከር ነገር ኣይኮነን። ከቢድ እዩ። እንድሕር እናማሓየሽካ ከይድካዮ ኣዝዩ ጠቓምን ካብኡ ንላዕሊ እውን ክዓቢ ዝኽእልን እዩ። ግን ክንርስዖ ዘይብልና ንምንታይ ደደቢት ተዓዊታ እንተኢልካኒ ናይ ደደቢት ወይ ናይ ኢትዮጵያ ማይክሮፋይናንሳት ምስ ፓብሊክ ሴክተር ተኣሳሲረን እየን ዝሰርሓ። ወሳኒ ዝኾነ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ይረኽባ እየን። ንኣብነት ገዚፍ ዝኮነ ልቃሕ ወዲቑ ኪሳራ በፂሕወን ኣይፈልጥን። በቲ ስርዓት ዝተውሓሳ እየን። ሓደ መንገዲ ውሕስንአን እቲ ናይ ጣብያ ስርዓት ምሕደራ ባዕሉ ምስኡ ዝተዋደደ እዩ። ሓደ ሰብ ልቓሕ እንተዘይመሊሱ ደደቢት ኣይኮነትን ከይዳ ፀቕጢ እትፈጥር እቲ ሲስተም ባዕሉ እዩ ከምኡ ዝገብር። እንተዘይከፊልካ ናብዚኣ ኣይትኣቱን ይብሎ እቲ ጣብያ፤ ይኸፍል። እቲ ገባር እውን ዘማርረላ እዚኣ እያ። ሕማቕ ድዩ ፅቡቕ ዝብል ይመስለኒ ፅቡቕ እውን እዩ ሕማቕ ነገር እውን ኣለዎ። እቲ ሕማቕ ነገር ምስ ካልእ ነገር ክተኣሳሰር እንተሎ እዩ። እዚኣ እንተዘይገይርካ እዚኣ ኣይንህበካን ዝዓይነቱ ኣካይዳ ሕማቕ እዩ። ካልእ ነገር ክተርፎ ትኽክል ኣይኮነን። እቲ ምግዳድ ግን ትኽክል እዩ። እንታይ እየ ዝብል ዘለኹ እዞም ኣብዚ ዘለዉ ናይ መንግስቲ ኣካላት እቲ ናይ ፋይናንስ ዋሕዚ ዋሕዙ ሓልዩ ክኸይድ ይሕግዙ ኣለዉ ማለተይ እየ። እኳ ድኣስ ተመምዩ ክምዕብል ዝኽእል እዩ በሃላይ እየ።

ስለዚ እተን ትካላት ማይክሮፋይናንስ ደደቢት ሓዊሱ ምዕባየን ናይቲ ገባር ሃፍቲ ብዘይኣግባብ ተጠቒመን እየን ዝብል እምነት ኣይብለይን። እንድያውም ዝሓገዛ እየን ዝመስለኒ። ምስዚ ኩሉ ሓደጋታትን ተፃብኦታትን እየን ዝሰርሓ ዘለዋ። እዚ ነገር እዚ ውልቀ ሴክተር ተዝሰርሖ ነይሩ ወለዱ ሰማይ እዩ ነይሩ፤ ብስሩ እውን ዘይክቕፅልእ ውን ይነብር። ስለዚ ብሓደ ወገን ኣድላይነተ ፓብሊክ ሴክተር ዝድገፈሉ ሓደ መንገዲ እውን እዚ እዩ። ግን ደደቢት ጥራሕ ክትከውን ኣለዋ ኣብ ትግራይ ዝብል እምነት ኣይብለይን። ከምኡ ዓይነት ቴንደንሲ ኣሎ እዩ።

ናብ ሴፍትኔት ንምፃእ። ሴፍቲኔት ንዝሓለፉ ሽድሽተ ሸውዓተ ዓመት ኣብዛ ሃገር ዝሰራሕክሉ ዓውዲ እዩ። ናህና ትካል እዩ ዝግምግሞ። ብሓሳብ እውን ዝሕግዝ ዝነበረ እዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ ሓደ ናይ ውሕስና ምግቢ ዓምዲ እዩ ኣብ ኢትዮጵያ። ብፈረንጂ 2005 እዩ ተጀሚሩ። ብ 2002 ከባቢታት 11 ሚልዮን ህዝቢ ብድርቂ ዝተጠቐዐሉ ተጓንፎ ምስመፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሲቡ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ምስ  ወሃብቲ ሓገዝ ተማኪሮም ዝገበርዎ መደብ እዩ።

 ሓደጋ ውሕስና ምግቢ ምስ ኣጋጠመ ሽዑ ዝግበር ህፁፅ ሓገዝ ምሕታት እዩ። በብዓመቱ ኣሎ ግን ድማ ከኣ ብዓብይኡ እንተጋጥም ብዓብይኡ ይሕተት። ክልተ ዓበይቲ ሓደጋታት ግን ነይሮምዎ እዚ። እቲ ሓደ ካብ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ተኣኪቡ ዝመፅእ ሓገዝ ባሕሪ ተሳጊሩ ክሳብ ዝመፅእ ነዊሕ ጊዜ ይወስድ እሞ ሰብ ምስ ሞተ እዩ ኣብቲ ክበፅሓሉ ዝተሓሰበ ቦታን ህዝብን ዝበፅሕ። ድርቂ ድማ ብባህሪኡ ሰብ ምቕታል ዝጅምር እቲ ድርቂ ኣጋጢሙ ምስተብሃለ ኣይኮነን። ሎምዘበን ድርቂ ከጋጥም እንተኮይኑ ዝመፅእ ዘሎ ዘበን ምህርቲ እዩ ሓቀይ ዝጉዳእ? ግን ከምኡ ከምዘጋጥም ስለዝፍለጥ እቲ ድኻ ብፍላይ ልቓሕ እውን እዩ ዝስእን። እቲ ኣለቃሓይ እውን ምዕቛር እዩ ዝደሊ። ካብ ጎረቤት ክልቃሕ ዝክእለሉ ዕድል ይስእን። ስለዚ ንዓመታ ንዝጠፍእ ምህርቲ ሎምዘበን ሒዙ ይጠሚ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ብምዃኑ ሓደጋ ኣሎ ኢልና እንሓትት ሰብ ምሟት ስምጀመረ እዩ።

ስለዚ እዚ ክቕፅል ኣይብሉን ዝብል ኣሎ። ካልኣይ ድማ ህፁፅ ሓገዝ እዩ። ሓደጋ እንትህልው ዝመፅእ እንትጠፍእ ዘይመፅእ እዩ። እነታይ እናፈጠረ ከይዱ ይመስለካ እዚ፤ ረድኤት ዝለመደ ህዝቢ እናተፈጠረ መፂኡ። ኣብ ገለ መፅናዕታት ዘሎ እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ኣብዚ ይዝነብ ኣይዝነብ ኣብ ካናዳ እንተዘኒቡ ፀገም የብሉን ዝብል  ህዝቢ ተፈጢሩ። “ብስርናይና ዘዕበይናዮ ትውልዲ” ዝብልዎ ኣውሮፓውያን ዓይነት ማለት እዩ። እዚ ዓብዪ ሓደጋ እዩ። እዚ ብቐጥታ ሰብ ከይሰርሕ እዩ ዝገብር። ሓላፍነት ከይወስድ ይገብር። ራእይ ዘይብሉ ሰብ ይፈጥር። ኣብ ነዊሕ ጊዜ ዝተፈጠረ እዩ። ካብ ደርጊ ክሳብ መጀመርታ 90ታት ዝቐፀለ እዩ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ሃገርና። ክልቲአን ዓበይቲ ሓደጋታት እየን ነይረን። ነዚአን ንምፍታሕ እንታይ ንግበር ተባሂሉ ብብስለት ዝወፀ ፕሮግራም እዩ።

ስለዚ ኣብቲ ፕሮግራም እቲ ሓደ ክኸውን ዝተገበረ ኣፍራያያይ ክኸውን ምግባር እዩ፤ productive! ሰሪሑ ዝረክቦ ክኸውን ተገይሩ። ኩዒተ እየ ዝጥቀም ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። ብጉልበቱ ምኳኑ ክርድኦ ኣለዎ። ካልኣይ እቲ ዝኩዕቶ ዘሎ እውን ሀዝባዊ ሃፍቲ ዝሃንፅ ክኸውን ኣለዎ። ጎቦታት ዝግድብ፣ ፅርግያ ዝሃንፅ ክኸውን ኣለዎ። እሞ እናተሓገዝኩ ዓደይ ይሃንፅ ኣለኹ ድኣ እምበር ኮፍ ኢለ ክረክቦ ዝብል ኣተሓሳስባ ክሰብር ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዕላማ እየ ዝነግረካ ዘለኹ። እቲ ዓንተቦይ ዝበልኩኻ ትግራይ ብወሳናይ መልክዑ ናይ ምልማዕ ስራሕ ብመሰረቱ በዚ መንገዲ እዚ፤ ማለት ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቕናቕ ብምግባር እዩ ክስራሕ ዝኽእል። ስለዚ ተፀባይነት ሰባሪት እያ ብሓደ ገፅ።

ብካልእ መዳይ ድማ ካብ ርዳእታ ክሳብ ዝመፅእ ሰብ ዝመውት ኩሉ ጊዜ ክህልው ንግበሮ እቲ ህፁፅ ረድኤት እሞ እናሰርሑ ድማ ክረኽብዎ ይግባእ። እዚ ድማ ንብዙሕ ሰብ ግልፂ ዘይኮነ እንታይ ዓይነት ነገር ኣሎ ይመስለካ፤ ከም ገባር ሓደ ብዕራይ ኣለኒ ኢልካ ሕሰብ። ክሓርስ ከለኹ ሎምዘበን ሓሪሱ ንዓመታ ክሓፍስ እዩ። ሕዚ ክዘርእ ከለኹ ዚኣ እንተዘሪአ ዚኣ ክረክብ እየ ገለመለ ኢልካ ምሕሳብ ተጀሚሩ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ናብ ከምዚ ዝበለ ኩነት እንተመፂኡ እቲ ህዝቢ ፅቡቕ እዩ። ድርቂ እንተጋጠመ ኸ ኢሉ ምሕሳብ ይጅምር ኣሎ። እዚ ፅቡቕ እዩ።

ካልኣይ ድማ ምናልባት እንድሕርዘየጋጠመ እዚኣ ክገብር እየ እንድሕር ኣጋጢሙ ድማ እዚኣ ስገም ክዘርኣ እየ ኢሉ ትሕት መፍረያይነት እዩ ምሕሳብ ዝጅምር። እዚ ንድርቂ ዝፃወር ኣተሓሳሳባ ይምዕብል ኣሎ ማለት እዩ። ስገም ዝዘርእ ቀልጢፋ ክትበፅሓለይ ትክእል እያ ኢሉ እዩ እምበር ኣተራፊ ክኾነላ እዩ ኢሉ ኣይኮነን። ስለዚ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ፤ ሓደጋ እዩ ዝቕንስ ዘሎ። ካልእ ተዝዘርኣ ብዙሕ ምረኸበ። ግን እቲ ፍርሒ እዩ ከምኡ ዝገብሮ። እዚ ዓብዪ ነገር እዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ኢኮኖሚክስ ዘለዉ ዓበይቲ ዛዕባታት ድክነት ድኽነት ዝወልድ ምዃኑ እዩ። ክሳብ መወዳእታ ከይጥቀም ዝገብር ሓደጋ ስለዘሎ እቲ ድኽነት ድኽነት ንክህልው እዩ ዝገብሮ ዘሎ። ስለዚ ሓደ ናይ ሰፍትኔት ዕላማ ሓደጋ ከጋጥም ስለዝኽእል እቲ ዘይኣተወ ክኣትው ዝኽእለሉ እቲ ዝኣተወ ድማ ኣብኡ ዝቕፅለሉ መስርሕ እዩ ዘንፅፍ። ከምኡ እዩ እቲ መንፈስ። እዚ ዝህቦ ውሕስና ነቲ እትዘርኦ ዝራእቲ ይውስነልካ ማለት እዩ። እዚኣ  እዚ ዘርኢ እዚ ክዘርኣ እየ። እንድሕር ፀገም ኣጋጢሙ ድማ ሰፍትኔት ዶ እኒሄን ኢሉ ንክሓስብ ይገብር ኣሎ ማለት እዩ።

ሕዚ እዚ ኣካይዳ እዚ ሰሚሩ ዶ ኣይሰመረን እዩ ክኸውን ዘለዎ ናይ ሕዚ ሕቶ። ብውሕስና ምግቢ ኣብ ምንታይ ኣሎ? በቲ ሕዚ ዝበልናዮ ናይ ኣፍራያይነት ኣካይዳ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኣሎ? ሰባት ብዝገመትዎ ዶ ይኸይድ ኣሎ? ወዘተ ዝብሉ እዮም ኣካላት መፅናዕትና። በዚ መዳይ እንትርአ ብሓፈሻ ፅቡቕ እዩ። ግን ኩሉ ጊዜ ፅቡቕ ኣይነበረን። ኣብ ከይዲ እዩ እናተመሓየሸ እናተመሓየሸ መፂኡ። ናይ ግዝዕይና፣ ናይ ምሕደራ ፀገማት ኣለዎ። እዚ ዳታታት እውን ኣለውና ከርእየካ ይኽእል እየ ኣብ ከይዲ ነዊሕ ዓመታት እናተመሓየሸ እዩ መፂኡ። ከም መከላኸሊ ሓደጋ ድርቂ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ፕሮግራም እዩ ሴፍትኔት ማለት ኢለ እየ ዝውስድ። ብዓለም ክርአ እንተሎ እውን ፅቡቅ ስም ዘለዎ እዩ።

ናብ ዝርዝር ክትኣቱ እንተለኻ ድማ ብዙሓት ፀገማት ኣለዉ። ብዙሕ መፅናዕቲ ኢና ገይርና። ማንም ሰብ ጎጉል ገይሩ እውን ክርእዮ ዝኽእል እዩ። ካብኡ በብዓመቱ እነውፅኦ እውን ኣሎ፤ ኩሉ ይሕተም እዩ። ንኣካዳሚክ ረብሓ ዝውዕል ሕትመታት እውን ኣለዉና። እዚ ዘርእዮ ነገር እንተሃለወ ለውጢ ምህላዉ እዩ። ኩሉ ነገር እናተመሓሸ፣ እቲ ኣሰራርሓ እናፀበቐ እዩ መፂኡ። እዚ ኩሉ ውፅኢት ናይቲ በብግዚኡ ዝግበር ክትትልን ምምሕያሻትን እዩ እየ ዝብል።

እዚ ብዝሓሸ ፍጥነትን ፅባቐን ክኸይድ ሕዚ ኣብ ትግራይ ክንገብሮም ካብ ዘለና ነገራት እቲ ሓደ እቲ ናይ ገምጋም ስርዓትና ክስተኻኸል ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን። እቲ ገምጋምና ካብ ፈፃሚ ኣካል ብዝተረኸበ ፀብፃብ ኣይኮነን ተመስሪቱ ክኸይድ ዘለዎ። ናይ ጥቕሚ ጎንፂ ከየጋጥም ተጠንቂቕካ ኢኻ ክትርእዮ ዘለካ። ነቲ ዝሰርሖ ዘሎ ኣካል ገምግሞ እንተኢልካዮ እሞ ብመሰረት እቲ ገምጋም ደመወዙ እትውስኾን እትንክየሉን እንተኾይንካ እንታይ ኢሉ ሕማቕ ፀብፃብ ይፅሕፈልካ? እሞስ ፍሉይ ድልየት ዘይብሉ ሰብ እዩ ክሰርሖ ዘለዎ። ስለዚ ዝሓሸ ናይ ገምጋም ስርዓት ክህልወና ኣለዎ። እዚ ክሕሰበሉ ኣለዎ።

እቶም ብሰፍቲኔት ተመሪቖም ዝብሃሉ ሓረስቶት “እንታይ ኣለኒ ወሪዱኒ፣ ጓለይ ድኣኾንትን ሰዲዳትለይ” ወዘተ ዝብሉ ኣለዉ፤ ማለትስ ብናይእማን ዓቕሚ ከይፈጠሩ እዮም ፈጢሮም ዝበሃል ዘሎ እዩ ዝበሃል እሞ ከመይ ኢኻ ትርእዮ እዚ ዶክተር?

ምርቓ ዝምልከት እቲ ኣካይዳ ንፁር ኣይኮነን። ክሳብ ዝኾነ ደረጃ እናተሓገዙ ክምረቑ ምግባር ኣሎ። ኣብዚ እውን ፀገማት ኣለዉ። ሓደ እቲ ምረቓ ዝብሃል ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ እዩ፤ sophisticated እዩ። እንታይ ምስኮነ ኢኻ ተመሪቑ እትብሎ? ብሃገር ዋላ ብክልል ደረጃ ከቢድ እዩ። ኣብ ትግራይ ዝምረቕ ሓረስታይ ሓደ ብኣታዊ እዩ። ካልኣይ ድማ ኣብታ ከባቢ ብእትግበር ዘተ እያ እትውሰን። ኣነ እዚ ዕውት ኣካይዳ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ምኽንያታት ኣለኒ። ሓደ ናብዚ ፕሮግራም እዚ ክኣቱ ዘለዎ ሰብ ምንም ካልእ ኣማራፂ ዘይብሉ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ክወፅእ ዘለዎ እውን ካብኡ ዝሓሸ እዩ ክኸውን ዘለዎ። መንግስቲ ብደገ ኮይኑ ኣይፈልጦን። እቲ ማሕበረሰብ እዩ ዝፈልጦ። ኣሳቲፍካ እንተሰሪሕካዮ ናብ ሓቂ ናይ ምቕራብ ዕድል ይፈጥር እዩ። ግን ምጥቕቓዕ ከኣ ኣለዎ። ይኹን እምበር ነታ ምጥቕቓዕ እውን ኢኻ ድማ መስርሕ እተዐርየላ።  ናይ ጥርዓን ስርዓትካ ክተስተካኽል ኣለካ። እዚ ፅቡቕ እዩ። ናይቲ ፕሮግራም ሓደ ፈተና እውን ምጥቕቃዕ እዩ።

ናብ ድርቂ ዝምልከት ዛዕባ ድማ ንምፃእ። ከምቲ ዓንተቦይ ዝበልኩኻ ድርቂ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ናይ ትግራይ ሽግር ጥራይ ኣይኮነን። ናይ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ሽግር እውን እዩ። ጥሜት ዝብሃል ብሓፈሻ ናይ ድርቂ ሽግር ጥራይ ገይርካ ምውሳድ ጌጋ እዩ።ናይ ምሕደራ ፀገም እውን እዩ። ከም ካልኦት ሃገራትን ህዝብታትን ድርቂ የጋጥመና ኣሎ፤ እማን! ግን እዚ ክንመልሶ ክንቆፃፀሮ ኣለና። እዚ ንምግባር ዘድሊ ስሩዕን ጥዑይን ምሕደራ እዩ። ክንሓስበሉ ክንክእል ኣለና። ዓለም ሓሲባ እያ እትነብር ዘላ። ኢሎኖ የጋጥመን እዩ ኣብዚ ኢኳተርያል ከባቢ ዘለዋ ሃገራት። ዓለም ከም ዓለም እውን ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ኣሎ። ነዚ ክኢሉ እዩ ዝነብር ዘሎ። ስለዚ ናይ ድርቂ ሽግር ናይ ተፈጥሮ ሽግር እዩ ኢልካ ክውሰድ ኣይግባእን። ናይ ምሕደራ ፀገም እውን እዩ። ዓለም ኣማሓዲራ እያ እትነብር ዘላ። መፍትሕታት ኣለዉ ክንሰርሓሎም ይግባእ።

ሓደ ካብኣቶም እቶም ፀገም ዘጋጥሞም ዓውድታት እቲ ፀገም ክስከምዎ ዘኽእል ዓቕሚ ከጥርዩ ናይ ምግባር ስራሕ እዩ። ብስሩ እኮ ሰፍቲኔት ብካልእ ሽሙ social security system/ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስና እዩ። እቲ ኣውሮፓውያን ዝገብሩዎ ዘለዉ እዩ ብካልእ ኣበሃህላ። ስካንድቭያን ሃገራት ዝጥቀማሉ ዓይነት እዩ። ምንም እንተገበርና ካብዚ ሲስተም እዚ ክርባሕ ዝኽእል ማሕበረሰብ ኣለና። ስለዚ ሓደ መፍትሒ እዩ እዚ።

ሕብረተሰብና ብዙሕ ፀገም ዘለዎ እዩ። ሓደ ዝብላዕ ዝስተ ዘይብላ ኣደ፣ ዝሓመሙ ቤተ ሰብ፣ ጉልበት ዝብሃል ዘይብሎም ኣካላት ማሕበረሰብ ኣለዉና እዮም። ናይ ዩኒሴፍ ሓደ መፅናዕቲ ኣሎ ኣብ ሕንጣሎን ዓብዪ ዓዲን ዝተሰርሐ መፅናዕቲ እዩ። ንተኸታታሊ ሰለስተ ዓመታት ዝተሰርሐ መፅናዕቲ እዩ። ከመይ ገይርካ ይሕገዝ ዝብል ሕቶ ንምምላስ እዩ ነይሩ። ክልል እውን ኢድ ነይርዎ። እዞም ዝበልኹኻ ኣካላት ድላይካ ግበር ዋላ ባንክታት ኣእትው፣ ዋላ መስኖ ኣተኣታቱ ወዘተ ነዓቶም ጥብ ዝብል ኣይኮነን። እዚኦም ክንስከሞም ዘለና ኣካላት ማሕበረሰብ እዮም። ስለዚ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስና የድልየና እዩ። ናብ ማንም እትድርብዮም ኣይኮኑን። ካብኦም ድይብ እናበልካ ክትከይድ እንተለኻ ግን ንእሽተይ ሓገዝ ዘድልዮም፤ ሽዑ ባዕሎም ክዘሉ ዝኽእሉ ኣለዉ። ግን ክዘሉ ዝኽእሉ ምዃኖም ድማ ርግፀኛ ምዃን የድልየካ።

ዓንተቦይ እንብሎ ዝነበርና እዚ ናይ ፅግዕተኝነት መንፈስ ድማ ኣሎ። ብድምር ዘርእዮ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣብ ትግራይ ፀቢብ ዕድል ከምዘለዎ እዩ። ይኹን እምበር ተጠቀስቲ ዝብሃሉ መረዳእታታት ግን ኣለዉ እዮም። እታ መሃያ ንእሽተይ እያ። ብሳላሳ ቅርሺ ክውዕል እናኸኣለ ንምንታይ ብ10 ቅርሺ ይውዕል። እዚ ሰብ እዚ ኣነ ደጊም ሴፍቲኔት ይኣኽለኒ ዝሓሸ ዕድል ኣለኒ ኢሉ ዝሓስበሉ ሲስተም ክህልው ኣለዎ። ሕዚ ዘሎ ፀገም ግን ብሰላሳ ቅርሺ ዝውዕለላ ቦታ ስለዘየላ ኣብታ ናይ 10 ቅርሺ (ሰፍቲኔት) ክውዕል ይደሊ። ኩሉ ሰብ ይደልያ ማለት እዩ። ንእሽተይ ዝተገበረ እውን እኮ ኣዝዩ ዝኸፍኦ ሰብ ክኣትዎ ምእንታን እዩ። እቲ ሓሳብ ከምኡ እዩ። ሕዚ ኣብ ሰፍቲኔት ዘሎ ህዝቢ ከምኡ እዩ። ካብኣ ክወፅእ ዘይደሊ ሰብ ኣለና ማለት እዩ። ሓደ ሚልዮም ከምዚ ዝበለ ህዝቢ ኣለና። ክወፅእ ዘይከኣለ እዩ እዚ። ስኽ ኢልካ ኣይኮነን እዚ፤ ብጣዕሚብዙሕ ህዝቢ እዩ። ካብ ሓሙሽተ ሽድሽተ ሚልዮን ህዝቢ እዚ ዝኣክል ህዝቢ ኣብ ሰፍቲኔት ሒዝካ እቲ ካልእ ማልእ ምውጋዕ እውን ሓደሓደጊዜ ቀልዲ እዩ ዝመስል። ሓደ ብርኪ እዚ እዩ።

ካልእ ብርኪ ድማ ናይ ማይ ጉዳይ እዩ። ኢሊኖ እንትመፅእ እንስእኖ ዘለና ማይ እዩ ሓቀይ? ስለዚ ከርሰ ምድሪ ማይ ኣለና። ሃፍቲ ማይ ኣለና። እዚ ምጥቃም የድሊ። ንመፃኢ ወለዶ ክተርፍ እውን ብዝኽእል መልክዑ ክንስራሓሉ ኣለና። ሓያል ናይ ኢንጅነሪንግ ምሕሳብ (thinking) ዘድልዮ እዩ እዚ፤ ቀሊል ኣይኮነን። ባንኪ ዘድልዮም እውን ኣለዉ። እቲ መፍትሒ ብዙሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ሓንቲ መፍትሒት ሒዝና ክንከድ ኣይብልናን። መዓት እዩ ዘድሊ መፍትሒ። እዚ ናይ ምሕሳብ ነገር እዩ ናይ ድርቂ ጉዳይ እምበር ክንንክዮ ወይ ክንከላኸሎ ኣይከኣልን። ክንትንብዮ ንኽእል ኢና ብርግፅ።

ምስ ምትንባይ ተተሓሒዙ ሃገራዊ ኮነ ክልላዊ ኢንሽራንስ ክንገብር ንክእል እና። ቅድሚ ሕዚ ተሞኪሩ ነይሩ እዩ፤ ዘሐጉስ ታሪክ ድኣ ኣይብሉን እምበር። ምስ ፈረንሳይን ካልእ ሓደ ዓለም ለኸ ኢንሹራንስን ዝተገበረ ስራሕ ነይሩ።
እዚ እንታይ እዩ፡ ተደጋጋሚ ዝጥቅዓ ከባቢታት እንተሃልየን ንበይነን፣ ዘይጥቅዓ እንተሃልየን እውን ይፍለያ። ሓልሓሊፉ ዘጥቅዐን ድማ ንበይነን ይፍለያ እሞ እተን ብዙሕ ጊዜ ዘጥቅዐን ብዙሕ ጊዜ ሓገዝ የድልየን። እቲአን እውን ከም ኣጋጣሚአን። ነዘን ከባቢታት እዚአን ከከም ደረጃ ተቓላዓይነተን መንግስቲ ኢንሹራንስ ክኣትወለን ይኽእል እዩ። ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝተመኮሩ ሓደሓደ ነገራት ኣለዉ። ብክልል ደረጃ እውን ምሕሳብ ይከኣል እዩ። ዋላ ምስ ኬንያ እውን ይኹን ብሓባር ኮይንና ኢንሹራንስ ምፍጣር ይከኣል እዩ። ንኢትዮጵያ ኣጥቂዑ ንካልእ ጎረቤት ሃገር ዘየጥቅዕ ክኸውን ይኽእል።

ስለዚ ኢንሹራንስ ምእታው። ናብ ሃገርና ናብ ክልልና እንተኣምፂእናዮ እውን ከምኡ እዩ። ንኩሎም ወረዳታታት ኢንሹራንስ ክነእትዎም ንክእል ኢና። ብትግራይ ደረጃ ክሕሰብ ይክእል እዩ። ኣብ ዝኮነ ቦታ ሪሶርስ ኣለካ ማለት እዩ። ኣብ 10 ዓመት 1 ጊዜ ዘጋጥም እንተኾይኑ እቲ ዕድል ንኡስ እዩ። ንሽድሽተ ሸውዓተ ወርሒ ቀለብ እንድሕር ዘድልዮ ኮይኑ እሞ በብወርሑ 2 ሽሕ እንድሕር ዝደሊ ኮይኑ እዚ ተደሚሩ ናይዚ 10% እዩ ዝከውን ዘሎ ማለት እዩ። ካብኡ ድማ እዚ ኣብ 10 ዓመት ሓደ ጊዜ እዩ። ድርቂ እንተጋጥም ናብቲ ዝተጠቐዐ ይውሰድ። እድር ማለት እኮ ካልእ ኣይብሉን። ከምዚ ዝበሉ ሓሳባት ናይ ምሕሳብ ነገር እዩ ሕዚ ዘድሊ ዘሎ። ንዕኡ እዩ ዕንቅፋት ልምዓት ዝብሃል፤ ድርቂ።

ጉጅለ ልምዓት ወይ ኔትወርክ ዝምልከት ዘልዓልካዮ ነገር ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብቶም ናይ ኤክስቴንሽን ስርሓቲ ዘፅንዑ ኣካላት ሓደ እየ። ቀፂሉ ዝሓለፈ ዓሰርታተ ዓመታት እንታይ ነይሩ? እንታይ ይጎድሎ ገለ ዝብል ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝሕተሙ ስርሓቲ እቲ ሓደ እዩ። ኣብዚ ዝተርኣየ ነገር ናይ ኤክስተንሽን ስርዓትና ብዙሕ ዝጎድልዎ ነገራት ኣለዉ። ኮይኑ ግን ከም ስርዓት ምህላዉ ዓብዪ ነገር እዩ። ብድምር ክትርኢ እንተለኻ ዘይነበረ ንእሽተይ ትምህርትን ሓበሬታን፣ ፈተነታት ገለታት ካብ ጫፍ ርሑቕ ናብ ዝብሃሉ ከባቢታት ንክበፅሕ ሓጊዙ እዩ። መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ። ንሱ ዘምፅኦ ናይ እታወት ኣጠቓቕማ ወሰኽ ኣሎ። እዚ ኣብ ኩሉ ክልላት እዛ ሃገር እዩ። ንሱ ዘምፅኦ ናይ ኣፍራያይነት ሰሰን ኣሎ። ምህርቲ ወሲኹ እዩ። እቲ ዕብየት እንብሎ ካብኡ ዝመጸ እዩ ብሓደ ገፁ።

ግን ኤክስተንሽን ማለት ብሓሳብ ደረጃ ሓበሬታን ትምህርትን እዩ ዝስከም። እዚ ግን ዝገብሮ ዘሎ እታወትን ምስላጥን ጥራይ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። መዳበርያ፣ ምሩፅ ዘርኢ፣ ቴክኒካል ሓገዝ ወዘተ እዩ ዝገብር ዘሎ። እዚኦም ዘምፅእዎ ለውጢ ድማ ኣሎ። ኤክስቴንሽን መሰረታዊ ስርሑ ግን ሓበሬታን ትምህርትን ናይ ምስግጋር መንገዲ እዩ። ካበይ ዝመፀ? ናይ ሕርሻ ምርምር ትካላት ኮነ ዩኒቨርስታት ዘፅንዕዎ ብዙሕ ነገር ኣሎ። እዚ ተሓፂሩ ከይተርፍ፤ ናብቲ ሓረስታይ ክኣትው ናይ ኤከስቴንሽን ስራሕ ኣገዳሲ ይኸውን።

እዚ ብዋናነት ሓበሬታን ትምህርትን ብቐሊሉ ክመሓላለፍ ዝገብር ሜላ ኣካይዳ እዚ ብጣዕሚ ፅቡቕ ሓሳብ እዩ። ቀሊል ስራሕ ከይመስለካ ኔትወርክ ዝሰርሖ ስራሕ። ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣርሲ ኸባቢ ከይደ ነይረ። እቲ ዓዲ ፅቡቕ ምህርቲ ዝርከበሉ ዓዲ እዩ፤ እቶም ሓረስቶት እውን ንፉዓት እዮም። ድሓር ብኤክስቴንሽን እንታይ ትሰርሑ ኢለዮም። ናይ ስገም ናይ ስርናይ ዝብሃል ሕማም ነይሩ ኢሎም። እቲ ኸባቢ ስርናይ ፖተንሻል ኸባቢ እንድዩ፤ ድንገት መፅዩ እቲ ዘጥፍኦ። ሽዑ እንታይ እዮም ዝገብሩ፤ ከምዚ ዝብለ ሕማምያ ተራእዩ ምስተብሃለ ናብቶም ኣቦ ሰላሳ እዮም ዝውድሉ። መድሓኒት እንተሃልዩ እውን እንዳ እከለ ኣሎ እናተበሃሃሉ እዮም ካብ ሓደጋ ዝድሕኑ።ሓበሬታ ብሓደ ጊዜ ክባፃሕ ይገብር ኔትወርክ።

እዚ ግን ምንም ኩሉሻብ ቅኑዕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ሕቶ ኣይብሉን፤ mis use ዝገብርዎ ኣለዉ እዮም። ብዘይኮነ መንገዲ ዝጥቀሙሉ ኣይስኣኑን። ንግዛዕ ምዛዕ ዝጥቀሙሉ ኣይስኣኑን። ንፖለቲካዊ ረብሓ እውን ይጥቀሙሉ። ካድራዊ እውን ይኸውን። ሽዑ ይሓምቕ። ስለዚ ብሓፈሻ እንትርአ ኔትወርክ ብሓሳብ ደረጃ ፅቡቕ እዩ።

ብካልእ ወገን ድማ ኔትወርክ ኣብ ኩሉይ ይሰርሕ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሕርሻ ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ኣብ ትምህርቲ እውን ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ግን ወረ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምስ ሕርሻ ተኣሳሲሩ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ትግራይ ገዚፍ ናይቴክኖሎ እታወት ተጠቒሞም ሜኬናይዝድ ሕርሻ ከተኣታትዉ ዝሓሰቡ ወገናት ነይሮም እሞ መንግስቲ ትግራይ ብግቡእ ከምዘይተቐበሎም ገሊፆምለይ ስለ ዝነበሩ፤ ንሓለፍቲ ቢሮ ሕርሻ ረኺበ እንተዘራረቦም “እዚ ናይ ሕርሻ ዓይነት (መካናይዝድ ሕርሻ) ንትግራይ ኣይኾንን፤ ንትግራይ ዘልምዓ እቲ ሓረስታይና እዩ”  ዝዓይነቱ መልሲ ሂቦምኒ ምንባሮም እዝክር። ትግራይ ንገዚፍ ቴክኖሎጂያዊ ሕርሻ ኣይትኾንን ድያ? ከመይ ትብል ንስኻ?

ብክልተ መልክዕ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክንደይ ይኣቱ ድኣ ከይትብለኒ እበር ናይ ሜኬናይዝድ ሕርሻ ዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋ ብፌደል ደረጃ ከመይ ይኹን ዝብል ዘቕረብናዮ፤ዝተሓተመ ሓደ መፅናዕቲ ነይሩ። ከመይ ይመስል? እንታይ ክግበርከ ይኽእል ዝብል ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ነይሩ ዘቕረብናዮ።

ሜኬናይዝድ ክብሃል እንተሎ እቲ ሓደ ዘሎ misconception/ጌጋ ኣረዳድኣ እዩ። ሜከናይዝድ ማለት ዓበይቲ ማሽናት ዘለዎ ናይ ሕርሻ ስራሕ እዩ ኢልካ ምውሳድ ኣሎ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ግን። ሜከናይዜሽን ማለት mechanized use of farm tools ማለት እዩ፣ ከምኡ እውን ways of doing things ምቕያር ማለት እዩ። ካብቲ ዘሎስ ናብ ዝሓሸ ቴክኒካል ስራሕ ሓፍ ምባል ማለት እዩ። ካበይ ይጅምር እንተኢልና ካብ ኣናኣሽቱ መሳርሕታት እዩ። ቅድም ካብ ጉድጓድ ማይ ተሰኪምካ ተውፅእ እንተነይርካ ሕዚ በዛ መስሐቢት ኣቢልካ ምውፃእ ሜኬናይዝድ ትገብራ ኣለኻ ማለት እዩ። ከምኡ እናበለ ናብ ሞተር ተዕብያ። እዚ እዩ።  ኣብ ማሕረስ እውን እቲ ብብዕራይ ዝጉተት ተሪፉስ ናብ ብኢድ ዝድፋእ ክትቕይሮ ትኽእል። ግን ድማ ካብቲ ዝነበረ ዝሓሸ ምዃኑ ክረጋገፅ ኣለዎ። ብመንፅር ውፅኢታውነት/ስሉጥነት ዝሓሸ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ክብሃል ከሎ ስራሕ ምፅፋፍ እውን እዩ። ቀልጢፍካ ምውጋን እሞ ተወሳኪ ስራሕ ናብ ምስራሕ ምስግጋር ማለት እዩ። ጉልበት ሰብ ከባዝሕ፤ ኣብ ሓፂር ሰዓት ብዙሕ ስራሕ ምዕማም ምኽኣል ማለት እዩ እቲ ስሉጥነት። ስለዚ እዚከምዚ ዝበለ ሜከናይዜሽን ኣብ ትግራይ ይኾን ዶ ኣይኾንን ዝብል ሕቶ ዋጋ ዘይብሉ ሕቶ እዩ።  ስለዚ እቲ ከምኡ ዝበለ ሰብ ተጋግዩ ኣሎ ማለት እዩ።

ኣብ ትግራይ እንታይ ዓይነት ሜከናይዜሸን የድሊ እንተኢልካኒ ኣነ ትራክተራት ኣይኮንኩን ዝርኢ። ኣብ ትግራይ ሜከናይዜሽን ብጣዕሚ እዩ ዘድሊ።  ንምንታይ? ስለዘድሊ ጥራሕ ኣይኮነን። ማሽን ክንርኢ ስለእንደሊ ኣይኮነን። ሓንቲ ኣብነት ንውሰድ፤  ኣብ ትግራይ ዝናብ ክልተ ጊዜ ዘኒቡ ምዝራእን ምስ ዘነበ ድሕሪ ሰሙን ምዝራእን ንውሰድ። እዚ ወሳኒ ውፅኢት እዩ ዘምፅእ። ወዲ ገባር እንተኮይንካ ትፈልጦ ኢኻ። ንፅባሕትኣ ክትዘርኣ ኣለካ፤ ጠሊ እናሃለዋ።  ኩሉ ገባር ብዕራይ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ዝናብ እንተኣጋጢሙ እሞ ንፅባሕትኡ ክዘርእእንተዘይክኢሉ ኪሳራ እዩ ዝኸውን ዘሎ።  ኣጋምሸት ምሕራስን ንጉሆ ምሕራስን እውን እዩ ኣፈላላይ ዘለዎ። ስለዚ እዚ ዕድል እዚ ንክትጠቅም ማሽን የድልየካ ኣሎ ማለት እዩ።

ዓፂድ ውሰድ። ርእይ ዝኸረምካዮ እኽሊ ድንገት ደበና ይመፅእ። ሓይሊ ሰብ ኣይብልካን። ብስሩ እውን ክቖፅር እንተትደሊእውን ኣይትኽእልን። ስለዚ እቲ ፍርያት ይጠፍእ። ብሓፂር ጊዜ ክዓፅድ ዝኽእል ማሽን እንተትጥቀም ግን ተምልጥ ኣለኻ። ስለዚ ሜከናይዜሽን ዘድልየሉ ዋና ምኽንያት እውን እዚ እዩ። ለውጢ ኣየር ስለዘሎ እዩ ማሽን ዘድሊ። ኣብ ምዝራእ፣ ኣብ ምፅሃይ ኮነ ኣብ ምዕፃድ ሜከናይዜሽን የድሊ። ዓዲ እናዓበየት ክትከይድ እንተላ ናብ ሜከናይዜሽን ምእታዋ ናይ ግድን እዩ ዝኸውን። ንምንታይ ኢልካኒ ዓዲ ትዓቢ አላ ማለት ሓይሊ ሰብ እናነኣሰ እዩ ዝኸድ። መሃያ ስለዝጠልብ ዋሕዲ ሓይሊ ሰብ የጋጥም እሞ ስርሓቲ ናብ ማሽን ምእታው ይጅምሩ። ይኸብረካ እቲ ሰብ። እዚ ናይ ሕርሻ ስራሕ እውን ዘይኣዋፃኣይ እናኾነ ይኸይድ ማለት እዩ፤ ሰራሒ ይስእን ስለዘሎ። ሕዚ እቲ መሃያ እናበዝሐ ይኸይድ ስለዘሎ ንገባር ሰብ ቆፂርካ ምስራሕ ይኸብዶ። ካልእ ሞጎት እውን ኣሎ። “ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ዓዲ ማሽን ክንጥቀም ኣይብልናን፤ ነቲ ሰብ ካብስራሕ ስለዘውፅእኦ” ዝብል ኣሎ። ኣብዚ ሓደ ዓብዪ misconception ዘሎ ሰብ ኣሎ ዝብል እዩ። እዚ ግጉይ እዩ። ብውሑድ እቲ ዘሎ ሓይሊ ሰብ ክባር እዩ። ንገባር ናብ ዘየዋፅኦ ደረጃ እዩ ዝድይብ ዘሎ። እተን ፋብሪካታት እናተኸፈታን እናሰፍሓን እንትኸዳ ድማ ሰብ እናጠፍአ እየ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ናብዘን ፋብሪካታት እዚአን ዝኸይድ ሸቃላይ ካብ ገጠር እዩ ዝመፅእ ዘሎ። ሓደ ሰብ ድማ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ምስ ኣተወ መሃይኡ እናወሰኸ ናብ ገጠር ዝምለሰሉ ኩነት እናጠፍአ እዩ ዝኸድ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ማሽን የድልየካ። ሜከናይዝድ ሕርሻ የድሊ። ወሳኒ እውን እዩ።

ካልእ ኣገዳሲ ነገር ድማ ኣለዎ። ኣብ ዓድና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መሬት ፅበት ኣለና እዩ። ዋላ እውን ናይ ጋህፂ መሬት ማለት እዩ። ከፍቲ ዝውዕላሉ ቦታ ከሊልናዮ ኣለና፤ክለምዕ። ስለዚ እዚማለት ከፍቲ ክንድቲ ክፈርያሉ ዝድለየሉ ኣይፈርያን ዘለዋ ማለት እዩ። ዝኮነ ካልእ ፊልድ ፈሊኻ ተንብረን ኣለኻ ማለት እዩ። ኣሲርካ ምቕላብ ገለ ዝብሃል ማለት እዩ። እዚ ኣካይዳ እዚ ሓደ ብዕራይ ኣሲርካ ምቕላብ እውን ከቢድ ክኸውን ይግበሮ ኣሎ ማለት እዩ። ሰለስተ ብዕራይ ዘለዎ ገባር ኣይትረክብን ሕዚ። maintenance cost of ብዕራይ ሕዚ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብቲ መፅናዕቲ እውን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ፤ ሓደ ገባር ብዕራይ ክህልዎን ማሽን ክህልዎን መኒኡ ከምዝሓይሽ ኣፅኒዕናዮ ኢና። ሓደ ገባር  ንብዕራይ ምሕላዉ፣ ምቕላቡ ወዘተ ምስ ማሽን ምሓዝ ኣይወዳደርን። ስለዚ እቲ ብዕራይ ብማሽን ክትካእ ኣለዎ ማለት እዩ።  ስለዚ ኣብ ከንዲ ባዕራይ ማሽን ምጥቃም  ብዕራይ ምሕራስ ካብ ምፅላእ ኣይኮነን። economic reason እዩ ዘለዎ። የርእየካ ኣሎ እዩ ኸኣ ገባር። ካብ እዋን ናብ እዋን እናቐነሰ ይኸይድ ኣሎ።ሕዚ ባዕሉ እቲ ገባር ከይፈተወ ናብቲ ማሽን ዝኣትወሉ ብኡ ድማ ሕርሻና ናብ ሜከናይዝድ ዝኸደሉ እዋን ይመፅእ ኣሎ ማለት እዩ።

ንምንታይ ይመስለካ ኣብ ጥቓ ዘርኢ ዋጋ ብዕራይ ዝኸብር? ብሓፈሻ ኩሉ ገባራይ ብዕራይ ኣለዎ ስለዝብሃል ክኸብር ኣይምነበሮን። ግን ይኸብር። ከምዚ ዝኾነሉ ምክንያት ናይ ብዕራይ መከናኸኒ ወፃእታት ስለዝኸብድ እዩ። ቅልብ ካብ ዝሓግይ ተጠቒሙ ይሸጦ። ሕዚ እቲ ገባር እታ ዝገዝኣላ ዋጋን እታ ምስኡ ኣፅኒሕዎ ዝቕልቦ ቀለብን እዩ ዘወዳድር ዘሎ። እዚ ዘመላኽተካ ማሽን እንተተቕርበሉ ክቕበላ ይኽእል እዩ ማለት እዩ።

እዚ ከመይ ገይርካ ይቐርብ? ዝብል ድማ ካልእ ሕቶ እዩ። ኩሉ ገበራይ ማሽን ክህልዎ ግድን ኣይኮነን። ኣነ ዝሓስቦ ዘለኹ ማሽን ማለተይ ንእሽተይ ብኢድ እትጉተት ማለተይ እየ። ክልተ ሰለስተ ጎበዛት ሰባት ኣብ ቁሸት እንተሃልይዎም ንኩሉ ይኣክል እዩ። ወይ እውን መናእሰይ ከም ትካል ኣጣይሸምዎ ንገባራት እናካረዩ ክጥቀሙሉ ዝኽእል ዕድል እውን ኣሎ። ተመጋጋቢ እውን ይኾነልካ። መናእሰይ ስራሕ ይረኽቡ ኣለዉ። ጉልበት ትቑጥብ ኣለኻ። ብግዜኻ ትውድእ ኣለኻ። መዓት ረብሓታት ኣለዎ።

ኣብ ጎልጎል ራያን ኣብ ሑመራን ብፍላይ ኣብ ሑመራ ጅማሮታት ኣለዉ። ኣብ ባሌጎባን ኣብ ደቡብን ኣለዉ ፈተነታት። እዚ ዝግበር ዘሎ ግን በቲ ኣነ እናበልክዎ ዝፀናሕኩ ኣካይዳ ኣይኮነን። እቲ መሬት ሰፊሕ ስለዝኾነ እዮም ማሽን ዝጥቀሙ። ናብቲ እንብሎ ዘለና ኣይተኣተወን፤ የለን። ሕዚ ግን ብሚኒስቴር ሕርሻ ዝተሓሰቡ ሓሳባት ኣለዉ። ሕዝ’ውን ግን ኣነ ስክፍታታት ኣለውኒ። ኣልምጢ ሰብ ኣቐሚጥካ ኣይስራሕን። ሓያል ቅልጡፍነት ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም። ከስቢ በዘርክብ ክኾን ኣለዎ። ውልቀ ሴክተር እውን ክኸውን ኣለዎ።

እዚ ኣካይዳ እዚ ሰፊሕ ተሓራሳይ መሬት ኣብ ዘለወን ከባቢታት ክጅመር ይኽእል እዩ። ኣብ ራያ ክጅመር ይኽእል እዩ። ባንግላድሽ ካብ ናህና ዝነኣሰ መሬት እዩ ዘለዋ። ኣብ ሃገርና ማእኸላይ ናይ ሓደ መራሒ ስድራ መሬት ሓደ ሄክታር እዩ። ኣብ ባንግላዲሽ ግን ካብኡ ንታሕቲ እዩ። ግን highly mechanized እዩ። ኣብ ባንግላድሽ ውሕጅ ድዩ ሓደ ግዛዕ ኣጥፊእዎምስ ካብ ቻይና እዘን ቶግቶግ ዝብላ ማሽናት ኣምፂኦምስ ጀሚሮምስ ሕዚ ምሉእ ብምሉእ ብኡ እዩ ዝስራሕ። ኩሉ ነገሩ ናብኡ እዩ ተቐይሩ እቲ ዓዲ።

ሓደ ብጣዕሚ ዘሕዝነካ ገባር ፅርግያ ተሰሪሑ ኣድጊ ፅዒኑ ሕዚ እውን ኣብ ዝባኑ ተሰኪሙ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ዓቕሚ ምምላስ መፃኢታት ኢንቨስትመነት እቶም ፅርግያታት ዜሮ እዩ ዘሎ። ድሕሪ ዓፂድ ዝብሃል ብኽነታት/ኪሳራታት ኣሎ። ኣብ ዝኮነ ቦታ ኩዕት ኩዕት ኣቢሎም እዮም እቲ እኽሊ ዘኽይድዎ እሞ ኣብኡ ዝተርፍ/ዝባኽን ብዙሕ እኽሊ ኣሎ። ናብ ገዝኦም ክወስድዎ መዓት እዩ ዝጠፍእ። ኣብ ገዛ ምስኣተወ ብዙሕ እዩ ዝፈስስ። ማሽን እዚ ኹሉ እዩ ዘድሕን። ንኣብነት ኣብ ዓውዲ እንተርእይና እቲ ሓሰር ንበይኑ እቲ እኽሊ ንበይኑ እንድያ እትገብሮ ኣብዚ ናብ ሓመድ ዝወድቕ ነገር የለን። ኤክስፖርት ክንገብሮ እንተለና እውን ብዘይስክፍታ እዩ። ብፍላይ ምስ ዓፂድን ዓውድን ዘሎ ሽግራት ዓብዪ እዩ። ክንነግድ ኣለና፤ ሰደድ ክንገብር ኣለና ክንብል እንተለና እቲ ካልእ ፀገም እዚ እዩ። እቲ ሕዚ ዘሎ ኳሊቲ ሒዝካ ኣይንገድን። ሰደድ ኣይግበርን! ክመዓራረ ኣለዎ። እዚ እንተዘይተገይሩ ቅሩብ ክንከይድ ንኽእል ግን ኣብ ቀረባ እዋን ጠጠው ምባልና ኣይተርፍን።

እቲ ማሕንቖ ኮይኑ ዘሎ ነገር እንታይ እዩ? ብስሩ ከመይ ይፍታሕ? ከመይ ከ ንኺድ ንቕድሚት?

እቲ ፖሊሲ ድዩ ፀገም ኮይኑ ወይስ ንምንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ኣሎ። እቲ ገባራይ ሕዚ እውን 80% እዩ ዘሎ። ዘየዋጋዕናዮም ናይ ትራንስፎርሜሽን ሕፅረታት ኣለዉ እዮም። ክድርበዩ ዘሎዎም ፖሊሲታት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ መሬት ፖሊሲ፤ ናይ መሬት ሊዝ ፖሊሲ ምውሳድ ይከኣል። ኣብ ዓድና ናይ መሬት ፖሊሲ ፖለቲካ ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ? ናይ እኒ ብርሃኑ ነጋ ፖለቲካ ዝፈጠሮ እዩ። ንዓይ ንሱ እውን ሓደ ክፍተት እዩ። ነይረ እየ እዚ ከም ክትዕ ተላዒሉ ክዝተየሉ እንተሎ። ከም ኣነ ኣይረብሕን ንሱ። ምኽንያቱ እንትጅምር ንሓደ ሃገር ሓደ ዓይነት ፖሊሲ ክወፅእ ኣይኽእልን። መዓት ዓዲ ኣብ ዘለሉ፣ በብቑሸትን ጎሳን ብዙሕ ሕጊ ኣብ ዘለወላ ዓዲ፤ ሃገር ምሉእ ናብ ሓደ ሕጊ ንምጭፍላቕ ምፍታን ካብ ዓንተቡኡ እዩ ሕማቕ። ክኸውን ኣይነበሮን። ከከም ቦትኡ ህዝቢ በብዝመረፆ ዝተሰርሐ ፖሊሲ እዩ ክህልው ዘለዎ። ውልቀ ሴክተር እውን ክኣትወዎ ነይርዎም።  ከም ኣነ ብትኽ ዝበለ እዚ ናይ ህዝቢ እዚ ናይ ውልቀ ዝብሃል ኣይክህልውን፤ ሓበራዊ ነገር እዩ። ክንደይ ሚኢታዊ ናብዚ ክንደይ ሚኢታዊ ናብዚ ኢልካ ክትፈላለዮ እንተዘይኮይኑ ብትኽ ዝበለ ነገር ኣይክህልውን። እዚ ናይ ኢኮኖሚ ነገር እዩ። ዘይምዕዳል ግን እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዓድና ፖለቲካ እዩ። ኢኮኖሚክ ውፅኢታውነት እናሓሰብካ ክግበር ዘለዎ እዩ ነይሩ። እዚ እሞ ንጎኒ ንግደፎ፤ ኣብታ ዘላ ክሊ ኮይንካ ንምውጋዕ ዝኣክል ግን ነቲ ምዕባለና ዓጊቱ ዝሓዘን ክስተኻከል ዘለዎን ግን ናይ መሬት ሊዝ ፖሊሲ እዩ።

ሰብ መሰል ምጥቃም  ኣለዎ። ክጥቀመላ ከውርሳ እዩ ተዋሂብዎ። እዛ መሰል እዚኣ እንተሂብካዮ፣ ክሳብ ናይ ምክራይ መሰል ንምንታይ ዘይትህቦ? ትፈልጥ ዶ ኣብ ትግራይ ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ እንድሕር ኣብ ቦታካ ዘይተረኺብካ መሬትካ ከምትሕደግ? እዚ ኣረጋግፆ ኢኻ። እንታይ ማለት እዩ እዚ ትርጉሙ? ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ኣይትውፃእ ማለት እኮ እዩ። ኣብዚ እውን መፅናዕቲ ኣለና እዩ። መዓት ሞዴል ሓረስቶት ሓደ እግሮም ኣብ ከተማ ሓደ እግሮም ኣብ ገጠር እዮም ዘለዉ። እቲ ክኸውን ዝሓስብናዮ ግን ካልእ እዩ። እቲ ናይ ትራንስፎርሜሽን ሓሳብ እኮ እንትጅምር ዝኾኑ ኣካላት ዓቕሚ የጥርዩ እሞ ናብ ካልእ ሴክተር ከይዶም ኣብኡ ኣፍረይቲ ክኾኑ እዩ ዝነበረ። ሕዚ ግን ኣሲርካ ሒዝካዮም ኣለኻ፤ ናበይ ክኸዱ ይኽእሉ? ዋላ እንተዝኸዱ እውን ካልእ ሰብ ከይሓርሶ ኢኻ ትሕዞም ዘለኻ። ኣብ መወዳእታ ሓደ እግሩ ኣብ ከተማ ሓደ እግሩ ኣብ ገጠር ዝገበረ ሓረስታይ ተፈጢሩ ኣሎ፤ ብኡ ድማ ክሳብ ሕዚ እቲ ሰማንያ ሚኢታዊ ሓረስታይ ሒዝና ቀፂልና።

ኣብ ዓዲ ኣምሓራ ሕዚ ሓደ መፅናዕቲ የካይዱ ኣለዉ፤ መሬቶም ንዕስራ ዓመት ሊዝ ንምግባር። ናይዚ ውፅኢት ክርኢ ኣነ ብጣዕሚ ህንጥው እየ። ክነፅንዖ ኢና ድማ። ኣብ ዓድና ግን ብስሩ እዩ ናብ ዘተ ዘይመፅእ። never discussiabel! እዚ ከምዚ እናሃለወ ከመይ ገይርካ እዩ ትራንስፎርሜሽን ዝመፅእ። ስኽ ኢልና እቲ ሓፈሻዊ ኢና ንርኢ ዘለና እምበር ናብ ዝርዝር ከይድካ ብዙሕ ነገር ኣለዎ። ሞዴል ገባር ኣካሪኻ ውፃእ እንተዝብሃል ንመን እዩ ከካርዮ ነይሩ?  ነቲ ስራሕ ዘይብሉ መንእሰይ እዩ ዘካርዮ። እዚማለት እንታይ ማለት እዩ? እቲ መንእሰይ ከፍሪ ዝክእል በዓል ሓይሊ እዩ። ምሁር ዝብሃል ገባር ዝፍጠር እውን በዚ እዩ ነይሩ። ጥምረት/consolidation ዝብሃል ነገር ዝፍጠር እውን በዚ እዩ ነይሩ። ኮንሲሊዴሽን ማለት ኣናኣሽቱ መሬታት ናብ ሓደ ምምፃእ ማለት እዩ። ቻይና፣ ኣውሮፓ ከምዚ ገይሮም እዮም ፈጢሮምዎ።

ሕዚ እዚ ዘይግበረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

እዚ ንዘተ ክፍቲ ኣይኮነን ‘ያ። ንዘተ ክፍቲ ኣይኮነን። ብዛዕባ እዚ ምውጋዕ ነውሪ ክሳብ ዝመስል ኣጀንዳ እውን ኣይግበርን። እዚ ድማ ኢኮኖሚክስ እዩ። ፖለቲክስ ኣይኮነን። ነዛ ጉዳይ እዚኣ ንምፍላጥ ኢለ እቲ ሕገ መንግስቲ ርእየዮ ነይረ። ይፈቅድ እዩ፤ ናትና ሽግር እንተዘይኮይኑ ሕገ መንግስትና ክልላት እዚታት ንምግባር ይፈቅድ እዩ። ኣምሓራ ክገብርዎ እንተክኢሎም ንሕና ክንገብሮ ዘይንክእለሉ መንገዲ የለን። ብትሑዝ ድማ እቲ ፀገም ኣባና እዩ ዝኸፍእ። ስለዚ ፀገም ኣረዳድኣ  ኣሎ ማለተይ እየ። ብካልእ ኣበሃህላ ኣብ ኣጠቐቕማ መሬት ኣብ ዓድና ኣብ ፀገም ኣሎ ማለት እዩ፤ ከም ውፅኢቱ ድማ ኣፍራያይነትና ፀገም ኣብፂሑ ኣሎ ማለት እዩ።

እዚ ጉዳይ እዚ ኣስፍሕ ኣቢልካ እንተርእይካዮ ሓደ እቶም ክልወጡ ዝግበኦም ሓረስቶት ከይልወጡ ገይሩ ኣሎ። ሓደ እግሮም ኣንቢሮሙሉ ኣለዉ እቲ ናይ ገጠር መሬት። ክኸይድ ደልየ ነይረ ግን ከመይ ገይረ መሬተይ ገዲፈ እዩ ዝብል። ናይቲ misconception መበገሲ ምናልባት ነቶም ሓረስቶት ጥቕሚ ተባሂሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተሰራሕክዎ ዶ ይሓይሽ እንተኣካረኽዎ ኢሉ እዩ ከዋዳድር ዘለዎ። እንድሕር ዘዋፅኦም ከምኡ ክገብሩ ኣለዎም። ኣሕዲጎምዎ ከይኸዱ ጥራይ ኣብ መስርሕ ክተእትዎ፣ ክትቆፃፀሮ ኣለካ። ካብኡ ወፃኢ ግን ዝመረፆ ይገብር።

ካልእ ወሳኒ ነገር እውን ኣሎ። ዓንተቦይ ምስ ውሕስና/ኮላተራል ዝተኣሳሰረ ነገር ኣልዒልና ነውግዕ ነይርና። መለለዪ ዋንነት ይስራሕ ኣሎ ናይ መሬት። ብጅፒኤስ ዝተደገፈ ማለት እዩ እዚ። ኣብ ኢትዮጵያ እዚ እንትስራሕ ሓንቲ ትግራይ እያ ነይራ ናይ መፈተኒት ቦታ።  ዩኤስኣይድ እዮም ሰሪሖምዎ እሞ ምስኦም ድማ ንራኸብ  ኢና። ዓብዪ ፅቡቕ ስራሕ እዩ።  ነብሲ ወከፍ መሬት ትፍለጥ እያ እንታይ ኣፍርያ ገለ ዝብል ማለት እዩ። በዚ መዳይ እንትርአ እቲ መፍለዪ ዋንነት ፅቡቕ እዩ። ድሕሪ ሕዚ ብድምፂ ወያነ ትግራይ ክንድዚ ዓብዩ ክንዲዚ ኮይኑ ዝብሃል ነገር ኣይሰርሕን። በዚ ሳይንሳዊ ኣካይዳ እዩ ዝኽየድ። ካበኡ ንላዕሊ ግን ፈተነ ክንገብር ተሰማሚዕና። እቲ ስምምዕ እንድሕር ድኣ ናይ መሬትና ዓቐን እንፈልጥ ኮይንና ሰርቲፊኬት እንድሕር ሂብናዮም መጠን ፕሎት ዝገልፅ፤ ካብተን ሰለስተ ኣርባዕተ ፕሎት/ቁራስ መሬት እታ ሓንቲ ከም ኮላተራል ኣትሒዝካ ምልቃሕ ዝከኣለሉ ዕድል እዩ። ልቓሕ ወሲዱ ምምላስ እንተዘይክኢሉ ‘ቲ ልቓሕ ዝህብ ኣካል እታ መሬት ንኻልእ የካርያ። እታ ልቓሕ ካብተን ካልኦት ቁራስ መሬታት ክሳብ ዝመልስ ትካረ ማለት እዩ፤ ከም ገዛ ፕላን ገይርካ ሕሰቦ። እንታይ ግን ትገብር ኣለኻ? ልሕ ተተኣታቱ ኣለኻ። እዚ እቲ መሬት መዝጋቢ ይፈልጥ፣ ባንኪ ይፈልጥ፣ እቲ በዓል ዋና እውን ስለዝፈልጥ ንምግዳድ ንምግባር ኣይኸብድን ማለት እዩ። ስለዚ ናይ ፋይናንስ ዕንቅፋትና ብወሳናይ መልክዑ    ነስተካኽሎ ኣለና ማለት እዩ። እዚ ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ደቡብ ይሙክርዎ ኣለዉ። ትግራይ ክሳብ ሕዚ ገና እዩ ዘሎ።

ክቕፅል እዩ….