ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ መሠረት ዝገበረ ትዕዝብቲ

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ

ነሓሰ 2009 ዓ/ም

  1. 1.    መእተዊ

እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ እቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ሞንጎ ተሳተፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፉ ተጋሩን ”ብሄረ ትግርኛ” ኤርትራዊያን ኣዚዩ ሰሓቢን ኣገዳሲን ናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ’’ብሄረ ኣግኣዚያን’’ ዝምልከት እዩ።

ገበሬሰላሰ

እዚ ስነ-ሓሳብ ብዋናነት ኣይተ ተስፋጺዮን ዝተብሃለ ኤርትራዊ ውልቀ ሰብ ዝተጀመረን ዝምራሕን’ኳ እንተኾነ ንቲ ሓሳብ ምስኡ ጀሚሮም ደሓር ግን ተፈንጪሎም ናይ ባዕሎም ቅዲ ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ዘሰጉም ኤርትራዊያን እውን ኣለዉ። ኣብዚ ብኹሉ ኣንፈት ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ብሄረ ኣግኣዚያን እቲ ብተስፋጺዮን ዝምራሕ ጎሊሁ ዝርአ እንተኸውን ደገፍቲን ተቓውመቲን ናይቲ ሓሳብ እውን ኣብዚ ዙሪያ ክኸውን ባህሪያዊ ኮይኑ ኣሎ። ንተስፋጺዮን ዝድግፉ ኤርትራዊያን ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረ እስራኤል ብውዳበ መልክዕ ዝንቀሳቐሱ’ኳ እንተኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ደገፍቲ ከምዘለዉዎ ምዕዛብ ይከኣል እዩ። ብትግራይ ወገን እውን ደገፍቲ ናይዚ ስነሓሳብ ኣግኣዚያን ከምዘለዉዎ ግልፂ እዩ። እንተኾነ ግና እስካብ ሀዚ ኣነ እየ ዝብለ ውዳበ፣ ጉጅለ ወይ’ውን መራሒ እንተይገበሩ ብዝተበተነ መልክዕን ብመገዲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣቢሎም ብሓሳብን ብስሚዒትን ክድግፉ እዮም ዝራኣዩ። ብኣንፃሩ ንቲ ስነ-ሓሳብ ኣግኣዚያን ዝቃወሙ’ውን ካብ ክልቲኡ ወገን (ኤርትራን ትግራይን) ኣለዉ። ገሊኦም ብፍላይ ደገፍቲ ህግደፍ ብኹሉ ወገን ንዝግበር ጎስጓስ ስነ-ሓሳብ ኣግኣዚያን ይኹን ዝኾነ ዓይነት ሰላማዊ ርክብ ህዝቢታት ከምዘሎ ብዓኒ ዑሙተይ ዝቃወሙ እንትኾኑ፣ ምኽንያታት ብምዝርዛር ገለ ክፋል ወይ ሙሉእ እቲ ስነሓሳብ ዝቃወሙ ወገናት’ውን ኣይጠፍኡን። ከምቲ እቲ ዝበዝሐ ድጋፍ ኣብ ተስፋጺዮንንን ሓሳባቱን ዙሪያ ኮይኑ ዘሎ እቶም ብምኽንያት ዝቃወሙ ዘለዉ’ውን እዚ ስነሓሳብ ኣንፃር ህዝቢታት፣ ብሄራትን እምነታትን ዝኾነ ነፃሊ ኣተሓሳስባ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ገለ ውሑዳት ካብ’ዞም ብትግራይ ወገን ዘለዉ ደገፍቲ ድማ ናይቲ ብተስፋጺዮን ዝምራሕ ስነሓሳብ ኣግኣዚያን ጉድለት ከምዘለዎ’ኳ እንተገለጹ ’ቀስ ናበልካ ዝመሓየሽ ስለዝኾነ ከም ሽግር ኣይንሪኦን’ ዝብል ምኽንያት ብምሃብ ንቲ ሓሳብ ከሰጉሙዎ ቐጺሎም ኣለዉ። እምበኣርከስ ቐንዲ ዕላማ ናይዚ ፅሑፍ:

ሀ) እዚ ብተስፋጺዮን ዝግበር ዘሎ ኣንፃር ትግርኛ ተዛረብቲ ዘይኮኑ ብሄራትን እምነታትን ብፍላይ ድማ እስልምናን ዝኾነ ድሑርን ነፃሊን ጎስጓስ ብሽም ሓድነት ህዝቢ ግእዝ ናብ ትግራይ ከይልሑኽ ብጋንኡ ንምትሕስሳብ እዩ። ለ) ብትግራይ ወገን ንርእሱ ኣግኣዚያን ዝብል ተጠሚቑ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ እኽብካብ ኣብ ተኣፈፍቲ ጉዳያት (ብፍላይ ብሄርን እምነትን ዝምልከት) ግልፂ ቅዋም ክሕዝን ካብእቲ ብኤርትራ ብፍላይ ድማ ብተስፋጺዮን ዝምራሕ ፅንፈኛ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ዝተፈለየ ትሕዝቶን ፖለቲካዊ እምነትን ክህሉዎ ከምዝግባእ ንምትሕስሳብ እዩ። ሐ) ምስ ኣግኣዚያን ተተሓሒዙ ኣብ ማሕብረኣዊ ሚዲያ ዝግበር ዘተ ኣብ ስሚዒት ዘይኮነስ ኣብ ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባ ዝተደረኸ ከኸውን፣ ኣብ ካልኦት ፅልኣት ዘይኮነስ ንህዝብኻ ዘላቒ ረብሓ ዘዋፅእ ምዃኑ ብምኽንያት ኣሚንካ ዝግበር ክከውን ከምዘለዎ ንምዝኽኻር እዩ። መ) ስነሓሳብ ኣግኣዚያን ይደግፍ ኣይደግፍ ብዘየገድስ ምስ ኤርትራ ሰላም ክህሉ ዘይደሊ ትግራዋይ ይኹን ኢትዮጵያዊ ሰላማዊ ዜጋ ኣይህሉን። ስለዝኾነ ድማ ንቲ ስነሓሳብ ዝሰጉሙ ወገናት ብስምዒትን ዓውዓውን መፈራርሒ ካልኦት ከይንገብሮን ተመሊሱ መውቅዒ ህዝብና ከይኸውንን ጥንቃቐ ከምዘድሊ ንምትሕስ ሳብ እዩ። ኣብዚ ፅሑፍ ትኹረት ንገብረሉ ብዋናነት፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ማሕብራዊ ሚዲያ (Facebook) ዝተነጥፉ መናእሰይ ትግራይን ኤርትራን ዘይነዓቕ ፅልዋ ዘሕድር ዘሎ ብተስፋጺዮን ዝምራሕ ጉጅለ ብሄረ ኣግኣዚያን ኮይኑ ብመንጽር ክውንነት እቲ ዘሰጉሞ ዘሎ ስነ-ሓሳብ ብነቐፌታዊን ሃናፃይን ዓይኒ ክንሪኦ ክንፍትን ኢና። ካልኣይ፣ ናይቶም ብትግራይ ወገን ዝርከቡ ተኸተልቲ ስነሓሳብ ኣግኣዚያን ዝቐርብ ዘሎ ዘተን ምሕንፅታን ክንርኢን መልክዕ ንምትሓዝን ክንፍትን ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሰነሓሳብ ኣግኣዚያን ዘለና ሓፈሻዊ ኣራእያን ዝሓሸ ኣማራጺ ንብሎ ብሓጺሩ ብምግላፅን እዚ ፅሑፍ ይዛዘም።   

መዘኻኸሪስነ ሓሳብ ኣግኣዚያን ኣብ ህዝቢ ሰሪጹ ኣጀንዳ ንምዃን ዝበቕዐ ሓሳብ ስለዘይኮነ ሰዓብቱን ተቓወምቱን ናበልና ከንቕርብ እንተለና ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝሳተፍ ውሱን ማሕበረ ሰብ ጥራይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ዝኾነ ንኡሽተይ ሓሳብ ብውልቀ ሰባት ተጀሚሩ ስለ ዝምዕል እዚ ዛዕባ’ውን ኣገዳሲ ገርይና ብምረኣይ ካብ ብገንኡ ሕማቕ ዝበሃል ክድርበ ሰናይ ሓሳብ ንብሎ ድማ መስመር ኣብ ምትሓዝ ተራና ክንፃወት ከምዘለና ብምእማን ኣብቲ ጉዳይ ዘለና ትዕዝብቲ ብከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

  1. 2.   ሓፂር ድሕረ ባይታ ፖለቲካ መረብ ምላሽ

ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ ነይራ። ቐይሕ ባህሪ’ውን ንነውሒ ዘበናት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣክሱም ኮይኑ በዋናነት ናይቶም ሎሚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይን ናይ ሎሚ ኤርትራን ዝንብሩ ኩሎም ህዝቢታት እዩ ነይሩ። ኣብ ክልቲኡ ገጽ ዝነብሩ ዘለዉ ህዝቢታት’ውን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገርን መንግስታትን ዝመሓደሩ እዮም ነይሮም። ሞት ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነገሰ ሃጸይ ሚኒሊክ ካልኣይ ንተጋሩ ከም ዓብዪ ስግኣት ብምርኣዩ ሓይሎም ንምድኻም መረጸ እሞ እታ ሎሚ ኤርትራ ትበሃል ዘላ ሽዑ ኣካል ኢትዮጵያ ዝነበረት ምስ ቐይሕ ባሕሪ ሓዊሱ ንመንግስቲ ጥሊያን ኣረከበ። ብዙይን ብውሽጣዊ ሽግራት ምኽንያት መሳፍንቲ ትግራይ ሓይሎም ተዳኺሞም ህዝቦም ፎቖዶ ክብተንን ንሓሳርን መከራን እንትቃላዕ ስግር መረብ ምላሽ ተቖሪጾም ኣብ ትሕቲ ጥሊያን ዝኣተዉ ወገናት ድማ ክብሮምን ኩለንተንኦምን ተመዚዖም ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት ኣብ ሕሱም መግዛእቲ ፀኒሖም እዮም። ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ህዝቢ ርክባቱ ተቋሪጹ ብምፅንሑን ኣብ ክልተ ፖለቲካዊ ስርዓታት ብምእታዉን ኣብ ከይዲ ዝተፈላለየ ስነልቦና ኣማዒቢሉ ካብ ሓደነት ናብ ክልተነት፣ ብኤርትራ ዘሎ ትግርኛ ተዛራቢ’ውን ካብ ትግራዋይ/ትግራወይቲ ናብ ”ብሄረ ትግርኛ” ተሰጋጊሩስ ከምኡ ናበለ’ውን እስካብ ደማዊ ጎንፂ ዝኸደ ናብ ፖለቲካዊ ተፃባኣይነት ምዃን ተበጺሑ እዩ።

ዋላ’ኳ ኣብቲ ብብረታዊ ቓልሲ እዋን ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን እስካብ መስዋእቲ ዝኸደ ምትሕብባር ዝነበሮም እንተኾነ ኣብ ፅባሕ ደርጊን ናይ ሰላም እዋንን ብህ.ግ.ሓ.ኤ ዝውሰዱ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ካብ ኤርትራ ብግፍዒ ናይ ምብራር ተግባር ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝቢታት ዝነበረ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ይዘርጎ ጀሚሩ እዩ። ንኣብነት ኣብ 1991-1995 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ካብ 350 ሽሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን (መብዛሕቶም ተጋሩ) ካብቲ ንኣመታት ዝነበረሉ ዝነበሩ ከተማታት ኤርትራ ብግፍዒ ከም ተባረሩ ዓለም ለኸ ቐይሕ መስቀል ከም ዝጸብጸበ ኣብ ”Brothers at War: Making Sense of the Eritrean-Ethiopian War” ዝብል መፅሓፍ (Tekeste Negash & Kjetil Tronvoll, 2001) ተገሊጹ ይርከብ። ዓንዳሪ ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ብዙይ ዝብቅዕ ኣይነበረን። ክምቲ ንኹለን ጎረባብቲ ዝተናኸፈን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ’ውን  ብዶብ ኣሳቢቡ ውርራ ፈጺሙ ክልቲኡ ህዝቢ ካብዚን ናፍትን ምብራርን ናብ ደም ምፍሳስን ዝኣተወሉ ኩነታት ተፈጢሩ ርክብ ህዝቢታትን መንግስታትን ተበቲኹ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከብ።

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ ዝኾነ ሕማቕ ኩነታት የተሓሳስበና እዩ ዝብሉ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከቡ ተዛረብቲ ትግርኛ ምፍልላይ ህዝቢታት ኣብቂዑ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ተዘይተገይሩ ብክልቲኡ ወገን ዝርከብ ተዛራቢ ትግርኛ ናብ ሓደጋ ናወደቐ ይኸይድ ኣሎ ይብሉ። እቲ ብኤርትራ ዘሎ ብእስልምናን ኣስላምን ብትግራይ ዘሎ ድማ ብዕብላለ ኣምሓራ ክፀንት እዩ ካብ ዝብል እምነት ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ዶብ ኣፍሪስካ ታሪኽን ክብርታትን እዚ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ክምለስ ኣለዎ ብምባል ካብ ክልቲኡ ወገን ”ማሕበር የሕዋት ብሄረ-ኣግኣዚያን” ብዝብል ሽም ዉዱብን ብዘይውዳበን ምንቅስቓስ ከምዝጀመሩ ይፍለጥ።      

  1. 3.   ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ብሓፂሩ

እቲ ብኣይተ ተስፋጺዮን ዝምራሕ ምንቅስቓስ ንቲ ዝኽተሎ ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ኣመልኪቱ ኣዚዩ ብዙሕ ቪዲዮታት ስለዝዘርግሕ ሓበሬታ ንምርካብ ዘጸግም ኣይኮነን። ስለዚህ ብቶም ኣብ ቪዲዮታት ዝተዘርግሑ ጎስጓሳት መሰረት ብምግባር ዝኽተሎም ዕላማን መትከላትን ብሓጺሩ እዚ ዝስዕብ ይመስል። ብሄረ ኣግኣዚያን ቐንዲ ዕላምኡ ተዋህዶ ሃገራዊ መንነት ብምግባር፣ ብኦሪታዊ መትከላትን ቋንቋ ትግርኛን ግእዝን መሠረት ገይራ ካብ ኢትዮጵያ ዝተነፀለት ትግራይን እታ ናይ ሎሚ ኤርትራን ሓዊሳ ትምስረት ሓዳሽ ሃገር ኮይና ሰብ ዋናኣ ድማ ህዝቢ ግእዝ (ተዛረብቲ ትግርኛን ትግረን) ይኾኑ ይብል። ኣብታ ትምስረት ሃገረ ኣግኣዚያን ዝርከቡ ካለኦት ብሄራትን ተኸተልቲ እስልምናን ድማ ኣብ ትሕቲ እቶም ዝተጠቐሱ መትከላት ኦሪትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶን እቲ ዓብላሊን ወደ´ባትን ዝብሉዎ ህዝቢ ግእዝን ከም ዜጋታታ መሰል ውሑዳት ተኸቢሩሎም ይነብሩ ይብል። ብሓፂሩ፣ ብመሰረት ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ትግርኛን ግእዝን ኦሪታዊ እምነትን መለለይ መንነት እታ ሓዳሽ ሃገር ስለዝኾኑ ካብኦም ወፃኢ ዘለዉ ብሄራትን ቋንቁኦምን እምነቶምን ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብላሊ ዝብሉዎ ህዝቢ ግእዝ ተቐይዱ ይነብር ዝብል እዩ። ምንቅስቓስ  ኣግኣዚያን ሓደ ጥራይ ኮይኑ ኣብ ኣርባዕተ ነገራት መሰረት ዝገበረ እዩ፣ ንሶም ድማ ቀዳማይ፣ ብዛዕባ ፍቕሪ ታቦት፣ ካልኣይ፣ ፍቕሪ መሬትናን ባሕርናን፣ ሳልሳይ፣ ፍሪ ቋንቋና፣ ራብዓይ፣ ንታሪኽና ዘለና ፍቕሪ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ኣግኣዚያን ዝሓስብ እንተሃሊዩ ኣግኣዚያን ኣይኮነን ይብል ተስፋጺዮን። ኣብዚ ተጋሩ/ብሄረ ትግርኛን ትግረን ኮይኖም ተኸተልቲ እስልምና ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣግኣዚያን ብዛዕብኦም ግልጺ ዘቐመጡዎ መለክዒ የለን።

ሕሉፍ ሃገራውነት ኣምሓራን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ እስላምን ንባህልን ታሪኽን ህዝቢ ግእዝ ፍጹም ሓደጋ ከምዝኾኑ ይገልጹ እሞ   እስልምና ንርእሱን ተኸተልቲ እቲ አምነትን ምስኦም ዝጠበቐ ርክብን ዕላማን ኣለዎም ዝብሉዎም ኣዕራብን እቲ ዝዓበየ ስግኣት ህላወን ቀፃልነት ህዝቢ ኣግኣዚያን ገይሮም ይርኡዎ። መንነት ዝምልከት እውን ብሄረ ኣግኣዚያን ዝኽተል ሰብ ኢትዮጵያዊ ንምባል ስለዘይኽእል ንዙይ ንኸማልእ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ክትግንፀል ናይ ግድን ይኸውን ይብሉ። ኤርትራ ዝብል ሽም’ውን ጥሊያን ኣውጺኡዎ ኢትዮጵያ፣ ኣምሓራ፣ ህግደፍን ካቶሊክን ዝተቐብሉዎን ዝሰርሑሉን ስለዝኾነ ንሱ ናብ ግእዝ ብምቕያር ’’ዘ-ብሄረ ኣግእዚያን’’ ዝብል ክቕየር ከምዝኾነ ይሕብር። መሬታዊ ሓድነት ህዝቢ ግእዝ ንምውሓስ ድማ ምልእቲ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ኮይኑ ብደቡብ እስካብ ኣልውሃ ምላሽ፣ ደቡባዊ ብምዕራብ እስካብ ፀግዒ ሊማሊሞ ከምዝኸውን ደገፍቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝጠቅዑዎ ካርታ ምርዳእ ይከእል።

እት ካብ ንኒ ተስፋጺዮን ተፈንጪለ ዝብል ካሊእ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ድማ ”ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዚያን” ከም ዝበሃል ባዕሉ የፋልጥ። እዚ ምንቅስቓስ “ኣግኣዝያን ባህላዊ መንነት ናይ ምድረ ኣግኣዝያን አምበር ሓደ ዓልየት ወይ ሃይማኖት ኣይኮነን” ኢሎም ከምዝኣምኑ ኣብ ዝዘርግሑዎ ቪዲያ ይገልጹ። ብትውልዲ ሕውስዋስ ህዝቢ ስለ ዝኾና ኩሉ ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ዝርከብ ብሄር ኣግኣዚያዊ እዩ ይብሉ። ንህግደፍ ኣሊኻ ድማ ህዝቢ ኣግኣዚያን (ኩሉ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን) ሓደ ሃገርን ስርዓትን ምምስራት ቐንዲ ዕላምኦም ከምዝኾነ ይገልጹ።

  1. 4.   ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ብመንጽር ክውንነት

ዘተና ቕድም ኢሉ ከምተገለጸ ኣብ ክውንነትን ዘይክውነንትን እቲ ብእኒ ኣይተ ተስፋጺዮን ዝምራሕ ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ዝብል እዩ። እዚ ኣዕናዊን ነፃሊን ስነ-ሓሳብ ፈጺሙ ክውንነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ ብዝገብሩዎ ዘለዉ ፅልኣት ዝተመልኦ ጎስጓስ’ውን ዘየተፀበዩዎ ሽግር ሒዚ ከምዝመፅእ ብግብሪ ተራኢዩ ኣሎ። ብምዃኑ ድማ እዚ ብተስፋጺዮን ዝግበር ዘሎን ንግዚኡ ንብዙሓት ገርሂ ልቦም ብስምዒት ዝንጉድ ዘሎን ስነሓሳብ ኣግኣዚያን ክውንነት ኣይህሉዎን። ንምንታይ? ከመይ? ንዝብል ብቶም ዝስዕቡ ብዘይ ስኽፍታ ክዝረበሎም ዘለዎም ምኽንያታት ክገልፅ ክፍትን፣

፩ይ - ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ መራሒ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ተስፋፂዮን ከምዝብሎ እንተኾይኑ ኣብ ኦሪታዊት መትከላት ዝተሰረተት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃገራዊ መንነት ዘለዎ ሃገር ምምስራት እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ተኸታሊ ምስልምና ሃይማኖት እዩ። ኣብ ትግራይ እውን ይብዝሑ ይውሓዱ በዘየገድስ ኣዚዮም ሰላማዊን ኣብ ታሪኽና ሓንቲ ኣበር ዘይርከቦም ወረጃታትን ዝኾኑ ተኸተልቲ እስልምና ኣሕዋት ኣለውና። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ ተዋህዶ ወይ´ውን ኦሪታዊ ሃገራዊ ሃይማኖት ወይከኣ መንነት ዘለዋ ሃገር ንምፍጣር ምሕሳብ እንታይ ማለት እዩ? ብስሩውን “እምነት ናይ በይንኻ ሃገር ናይ ኩልኻ” ዝብል ገዛኢ ሓሳብ ኣብ ዝኾነሉ 21 ክ/ዘበን ኮይንካ ሃገራዊ ሃይማኖት ዝፈለየት ሃገር ክትምስርት ምሕላን እንታይ ማለት እዩ? እንተትኸውንከ እስልምና ነፂልካ ክርስትና ጥራይ ሃገራዊ መንነት ገይርካ ምቕማጥ ብምንታይ ርትዓዊ መለክዒ እዩ? ኣብ ሃገርና ክርስትና ካብ እስልምና ዝፈልዮ ነገር እንተሃሊዮ ቀዲሙ ስለዝኣተወ እምበር ክልቲኦም ባሕሪ ሰጊሮም ዝመጽኡን ህዝብና ዝተቐበሎምን ባዕዳዊ እምነታት እዮም። ልክዕ ከምቲ ማርክሲዝምን ሌኒንዝምን ካብ ደገ ዝተቐበልናዮ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ኮይኑ እምነት ተቐቢሎም እዮም። ሓደ ካብቲ ካሊእ እምነት ዝብለፅ ገይርካ ምርኣይ ጌጋ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ እምነትካ ኣብ ካልኦት ምፅዓን’ውን መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ህዝቢታት እዩ። እቲ ተስፋፂዮን ኣብ ልዕሊ ተኸታሊ እስልምና ዝኾነ ህዝብናን ካልኦት ብሄራትን ዝገብሮ ምፍርራሕን ሚዛኑ ዝሰሓተ መፀለምታን ንጎድኒ ነፅንሓዮሞ ብስሩ እባ ኣብ ናይ ካልኦት ጥፍኣት፣ ጉድኣት ወይውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ሃገር ክትምስርት ምሕሳብ ከቢድ ሳዕቤን ከምዘለዎ ሓደን ክልተን ዶ ኣለዎ እዩ!?

ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ክልተ ዝተፈላለያ መግዛእቲ እንግሊዝ ኮይነን ጸኒሐን እንግሊዝ ገዲፉወን ክወፅእ እንተሎ ሓደ ሃገር ገይሩወን ከይዱ። እታ ኣብቲ እዋን ናፃን ሓዱሽ መንግስቲን ዝመስረተት ዓባይ ሱዳን ኣብ ልዕሊ እቲ ፖለቲካዊ ተነፅሎ ዝገበረትሉ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን እስልምናን ሽሪዓዊ ሕጊን’ውን ክተተኣታትው ምስ በለት ዝተወልዐ ጎንፂ ክጠፍእ ዘይኽእል ሓዊ ኣስዒቡ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ሃሊቑ እዩ። ካብዙይ እንታይ ንመሃር? እሞ ኣብታ ብሄረ ኣግኣዚያን ትበሃል ዘላ ናይ ሓሳብ ሃገር ዝነብር ዘይነቕዓቕ በዝሒ ዘለዎ ሙስሊምን ካሊእ ብሄርን ”ኣብ ትሕቲ ኦሪታዊ እምነት ኣቲኻ ትነብር ወይ ድማ ቕያር ጀለቢያ ሂብና ንሱዳን ንሰደካ” ክበሃል እንተሎ ሳዕቤኑ ካብ ናይ ሱዳን ዝፍለ ከም ዘይኸውን ምርዳእ ይግባእ። ብሓፈሽኡ ኣብ ጥፍኣትን ግህሰትን ሓደ ክፋል ህዝብኻ ሃገር ክትምስርት ምሕሳብ ሓደ እግርኻ ቆሪጽካ ክትጎዪ ምፍታን ማለት እዩ። እዚ ፍጹም ዝኾነ መገዲ ጥፍኣት ስለዝኾነ ውድቀት ስነሓሳብ ኣግኣዚያን ካብዚ ይጅምር።

፪ይ - ኣብ ኤርትራ እቲ ዝሰፍሐ መሬት ዝውንኖ ትግርኛ ተዛራባይ ዘይኮነ ህዝቢ እዩ። ንሱ ድማ ኤርትራ ዝምልከት ካብቲ ብሄረ ኣግኣዚያን ዝብሉዎ ዝተፈለየ ባህጊታት ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ዋላ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝነኣሰ ናይ ከበሳ መሬት ጥራይ ዝሰፈረ “ብሄረ ትግርኛ” እየ ዝብል ህዝቢ እንተዝሰማማዕ እቶም ካልኦት ዓብላልነት ትግርኛን ኦሪታዊ ወይ ክርስትና እምነትን ዘለዎ መንግስቲ ከቐውም ክፈቕዱ ዘይሕሰብ እዩ። ብርግጽ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኤርትራ ዝውክሉ ውድባት ኣለዉ እዮም። ድሌቶም ድማ ኣብ ማኒፌስቶ ገሊጾም ኣለዉ። ካብ ፌደራል ስርዓት እስካብ ንጉሳዊን እስላማዊን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክተኽሉ ድሌት ዘለዎም ውድባት ኣብ ዕዳጋ ቐሪቦም ኣለዉ። ሓደ ክልተ ዝኾኑ’ውን መሰል ዓርሰ ውሳነ እስካብ ምንፃል ይብሉ። እሞ ካሊእ እንተተረፈስ ኣብ ኤርትራን ኣብ ትግራይን ደቀባት ዓፋር፣ ሳሆንን ኩናማን ከምዘለዉ ነተፈለጠስ ብህዝቢ ግእዝ ወይ ተዛረብቲ ትግርኛን ትግረን ጥራይ ትውነን ሃገር ምሕላን ፍትሓዊ ድዩ? ንምዃኑ ካብዞም ዝጠቐስኩዎም ሓደ ወይ ኩሎም ብሄረ ኩናማ ወይብ ብሄረ ዓፋር ኢሉ ብመንነቱን ብእምነቱን ሃገር ክሃንፅን ዝተረፍኩም ድማ ኣብ ትሕቲኦም ክትነብሩ እተዝንቀሳቐሱ ጌጋ ዶ ተገይሩ ምተርኣየ? ብቑፅሪ ምብዛሕ ጥራይ ሃገር ናይ ምውናን መሰል እንድሕር ዘውሕስ ኮይኑ ኣብ ዝሰፍሐ መሬት ምንባሮምከ ሃገር ናይ ምውናን መሰል ዘየውሕስሉ ብምንታይ ስነ ሞጎት ይኸውን? እዚ ናይዚ ዘበን ዕብዳን ጥራይ ኢና ክንብሎ።

እቲ ሓቂን ርትዓዊን እምበኣር ብክልቲኡ ገፅ ዘለዉ ተጋሩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ክልቲኡ ዘለዉ ሳሆን፣ ኩናማን ዓፋርን’ውን ሓደ ህዝቢን ኣብ ትሕቲ መንግስቲታት ኣክሱም፣ ኣቢሲኒያን ኢትዮጵያን ዝነበሩ እዮም። ብኢትዮጵያ ወገን ዘሎ ህዝቢ ኣገውን እቲ ካብ ብሄረ ኣገው ዝምዘዝ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ብሌንን እውን ኣካል ናይዚ ነዊሕ ንምከሐሉ ታሪኽ እዮም። ብምዃኑ ድማ ማዕረ እቲ ትግርኛን ትግረን ተዛራቢ ህዝቢ ወነንቲ እታ ናይ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ዓፋርን እዮም። እቲ ሓቂ ንሱ ስለዝኾነ ስነ ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን መሰረታዊ ለውጢ ተዘይገይሩ ኣይኮነን ሓዳሽ ሃገር ክትምስርትስ ኣብ ዘዘለናዮ ኮይና ሰላም ንምምፃእ’ውን ዘይሕሰብ ስለዝኾነ እዚ ሓሳብ ክወድቕ እዩ።   

፫ይ - ኣብ ኤርትራ ኣንፃር ኢትዮጵያ ዘቕንዐ ናይ ወለዶታት ፖለቲካዊ ነፍሒ (ፕሮፓጋንዳ) ተገይሩ እዩ። ሓቂን ሓሶትን ተሓዋዊሱ  ናተምሃረ፣ ናንበበ ዝዓበየ ወለዶ ሀዚ’ውን ብሂወት ኣሎ። ንሱ ድማ ብግዲኡ ኣንፃር ትግራዋይ ዘቕንዐ ናይ ባዕሉ ፅለኣት ወሲኹሉ ንቲ ህዚ ዘሎ ወለዶ ብሕማቕ ናይ ሓንጎል ሕፅበት ቐሪጹዎስ ይቕፅል’ውን ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ትሕቲ 45 ዓመት ዘሎ ወለዶ እዩ። እዚ ድማ ካብ ናይ ፕሮፓጋንዳ ግዳይ ምዃን ሓሊፉ ትማሊ ብዓይንና ናረኣና ምስቲ ብሕማቕ እምበር ብጽቡቕ ዘይፈልጦ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ደም ዝተፋሰሰ ወለዶ ስለዝኾነ ቐሊል ዘይበሃል በዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ኢትዮያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራዋይ ፕሮፓጋንዳ ዝተዓጀበ ዘይተኣደነ ጽልኢን ቕርሕቲን ኣለዎ። ክንክሕዶ ተዘይኮይኑ እዚ ሓቂ እዩ። እቶም ኣብ ትግራይ ናይ ስደተኛታት ካምፕ ዓመታት ጸኒሖም ንደገ ዝወጽኡ ሰባት እኳስ እቲ ቕድሚ ናብ ትግራይ ምምጽኦም ዝነበሮም ዝተዛብዐ ኣተሓሳስባ ተይለወጡ እዮም ዝወጽኡ። ብስሩውን ኣብ ኤርትራ ዝረኽቡዎ ዘለዉ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስደትን ብሰንኪ ኢትዮጵያ ዝኸፈተቶ ውግእን ዶብ ምውረርን እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ብዙሓት እዮም። ካሊእ ተሪፉ ሃገሮም ሕገመንግስቲ ዘይምህላዋ ቐንዲ ተሓታቲ ዝገብሩዎ ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ዘይምውፅኣ ከምዝኾነ ገይሮም ዝሓስቡ ክንደይ ሙሁራትን ዘይሙህራትን ኤርትራዊያን ኣለዉ?! ንውሽጣዊ ሽግሩ ግዳማዊ ገይሩ ኣብ ፅልኣት ተሸኺሉ ዝነብር በዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ሒዝካ ከመይ ኣግኣዚያን ኢልካ ይሕሰብ? እሞ ድማ ከም ናይ ተስፋጺዮን ዝዓይነቱ።

፬ይ - ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ መብዛሕቱ ከም ትግራዋይ ሓረስታይ እዩ። እዚ ሓረስታይ ማሕበረ ሰብ፣ ብፍላይ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ፣ ኣብ ትግራይ ክንዲ’ቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ኣካላት ሽግር ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ዶባት ዘለዉ ሓረስቶት ሀዚ’ውን ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት ኮይኖም ምስ ሓረስቶት ትግራይ ይተሓባበሩ እዮም። ዘይምዕዳል ኮይኑ ኣብ ዓለምና፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ስሉስ ዓለም፣ ደኻ፣ ሓረስታይ፣ ዘይተምሃረ ህዝቢ ናብ ዂናት ክዳጎን እምበር ኣብ ፖለቲካ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሉን። ስልጣን ከምዘለዎ ይነግሩዎ እምበር ሽማዊ እዩ። ፖለቲካ ዝውስን ኣብ ስልጣን ዘሎን ብተቓውሞ ዝነጥፍ ፖለቲካዊ ሓይሊን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዘሎ ሙሁርን ከተመታይን ጥራይ እዩ። ንሱ ይብፅብፅ፣ ለውጢ ይጥይቕ፣ ንስልጣን ይወዳደር፣ ሚስኪን ሓፍሽ ተጠቒሙ ድማ ናብ ስልጣን ይድይብ፣ ሽዑ ኣገልግሎቱ ይውድእ’ሞ ካሊእ ናዕቢን ውግእን እስካብ ዝመጽእ ኣብዘለዎ ይርሳዕ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ብሄረ ኣግኣዚያን እየ ዝብል ሓይሊ ናብ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሓይሊ ተቐይሩ ብክልቲኡ ብፍላይ ድማ ብኤርትራ ወገን ኣብ መሬት ተቐባልነት ተዘይተረኺቡ ደው መበሊ ኣይረክብን። ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን። ኣብዚ ሓረስታይ ሕብረተሰብ’ውን ብእምነቱን  ብብሄሩን ምኽንያት ከም ካልኣይ ዜጋ ክኸውን ዝድለ ህዝቢ ኣሎ። እዚ ብፍትሓዊነቱ እውን ዘይቅኑዕ ክኸውን እንተሎ ክፋል ናይእቲ ኣብ ቁ፣፫ ዝተጠቐሰ ፖለቲካዊ ብኽለት ዝዓሰሎ ማሕብረሰብ እውን ዝተንክፎ ስለዝኸውን እቲ ዘይተበከለ ንብሎ ዘለና ህዝቢውን ኣንፃር ኣግኣዚያን ጠጠው ምባሉ ዘይተርፍ ይኸውን።

፭ይ - መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይን ድማ ብፍላይ ንኤርትራ ዘይከፈሎ ነገር የለን። ምእንቲ ናፅነት ህዝቢ ኤርትራን ምእንቲ ረብሕኡን ክብል ደቁ ፎቖዶ ጎብታትን በረኻታትን ኤርትራ ኣሰዊኡ እዩ። ህወሓት ኢህወዴግ ናይ ሕሉፍ በደላት ረሲዑ ከም መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ እስካብ ፖለቲካዊ ኪሳራታት ዝስዕበሉ ንኤርትራ ኩለንተንኡ ከፊሉላ እዩ። ንናፅነት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣፍልጦ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ ሰማያቱን መሬታዊ ዶባቱ እንተይተረፈ ከፊቱ ኤርትራን ህዝባን ከም ድሌቶም ክርብሑ ገይሩ እዩ። እዚ ምእንቲ ሰላማዊ ርክብ ክልቲኡ ህዝቢታት ተባሂሉ ዝተገበረ እምበር ከምኡ ዓይነት ዘይምዕሩይ ርክብ ንኢትዮጵያ ከምዝጎድእ ስሒቶምዎ ኣይመስለንን። ከምኡ ኮይኑውን ግና ናይ ኢዱ ኣይረኽበ ጥራይ ዘይኮነስ ኣንፃሩ ዝተሰለፈ ኤርትራዊ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። ከምቲ ኩሉና ንፈልጦ ቐሊል ዘይበሃል ናይ መንግስቲ ኤርትራ ደጋፊ ዝኾነ ህዝቢ ምስ ግንቦት ሰባት፣ ኦነግ፣ ኦኣብነግ፣ ኣልሸባብ ተሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ተጋሩ ዘይተኣደነ ጽልኢ ይነዝሕ፣ ምስኦም ኣብ ኣደባባይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይወጽኡ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ጸለመን ጽልኢን ብሰፊሑ ይነዝሑ፣ ከም ስደተኛ ኣቲዮም ኣብ ናይ ጥፍኣት ተግባር ይርከቡ፣ ሎሚ ድማ ኣብቲ ብቐሳውስቲ ህብረት ጎንደር ዝምራሕ ፖለቲካዊ ቤተክርስቲያን ተጠርኒፎም ይርከቡ። እዚኦም ውሑዳት ከምዘይኮኑ ብቢሃገሩ ዘለኹም ወገናት ትፈልጡዎ ኢኹም። ኣብ ናይ ቐረባ እዋን ናይ ጄኔቭ ሰልፊ’ኳ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ህዝቢ ንመንግስቲ ህግደፍ ድጋፉ ብሰልፊ ገሊጹ እዩ። ከምዚ ዓይነት በዝሒ ዘለዎ ኣንፃር ሰላምን ሰናይ ርክባት ህዝቢታትን ሒዝካ እግኣዚያን፣ እሞ ናይ ተስፋጺዮን ዓይነት ዘይሕሰብ እዩ።

፮ይ - ብኣንፃሩ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኢና ዝብሉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ውድባት ብጀካ ክልተ ወይ ሰለስተ ዝኾኑ ካልኦቶም ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ትግራይ ጥዕና ዘይብሉ ኣራእያ ዘለዎም ከምዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣረጋጊጾም እዮም። እዚ ኹሉ ንግደፎሞ በዝሒ ዘለዎ ሙሁር ዝበሃል ኤርትራዊ ካብ ዘረባታት፣ ጽሑፋትን፣ ኣኼባታት፣ ከምንሪኦ ንኢትዮጵያ ይኹን ንመንግስትና ቕኑዕ ኣራእያ የብሎምን። ሓደ እዋን ዓሰርተ ሸውዓተ ዝኾኑ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኼባ ገይሮም ሓደ ክልተ ዝለዓሉ ናይ ኢትዮጵያ ሰበ ስልጣን ይጋብዙ እሞ: “…ወያነስ ንምንታይ ኢኹም ትሕግዙና ዘለኹም?” ብምባል ዘደንጹ ሕቶ ኣውሪዶምሎም። እቲ በዓል ስልጣን ድማ: “…ንስኹም ኢኹም ድሌትኩም ዘይትፈልጡ እምበር ንሕናስ ድሌትና ፈሊጥና ዝሓደርናን ደጋጊምና ኣብ ኣደባባይ ንዛረበሉን እዩ። ድሌትና እዚ ህዝቢ ናብ ንቡር ሰላም ክምለስ፣ ክተሓባበር፣ ሓቢሩ ክለምዕ ጥራይ እዩ” ኢሉ መሊሱሎም (በቲ ሕቶ ዝተናደደ ተሳታፊ ኤርትራዊ ዶክተር ካብ ዝጸሓፎ)። እዙይ’ውን ሓደ ዕንቅፋት ዝከውን ሓይሊ እዩ።  

፯ይ - ፖለቲካዊ ሓይሊታትን ሙሁራት ኤርትራን ናይ ኢድም ኣይስኣኑ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ብቐሊሉ ክሕከም ዘፀግም ሓጓፍ ፈጢሮም እዮም። ብሓደ ወገን ሓዱሽ መንነት ንምፍጣር ካብ ዘለዎም ባህጊ ተበጊሶም ሃገር ምፍጣር ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ብሄሮም ሽም እውን ካብ ትግራዋይ ናብ “ብሄር ትግርኛ” ብምቕያር ካፍቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ክምዝፍለዩ ብዘረባ፣ ብጽሑፍ፣ ብስሩዕ ትምህርቲ፣ ብፊልም፣ ብተዋስኦ ወዘተ ገይሮም ደጋጊሞም ኣረጋጊጾምልናን እቲ ብኣግኣዚያን ዝበሃል ዘሎ ታሪኻዊን መንነታዊ ሓድነትን ሓደሽደሽ ኣቢሎም ብምፍራስ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈለየ ስነልቦና ከማዕብሉ ኪኢሎም እዮም። ናይዚ ዓይነታዊ ኣብነት ዝኸውን ሓደ ኤርትራዊ ሙሁር ኣብ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ዋዕላ ተረኺቡ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፣

‘’ናብዚ ኣኼባ ክኣቱ ከለኹ ናይ ተሳተፍቲ ሽም ኣብ ዝጸሓፈሉ ወረቐት ሽም ብሄር ዝብል ነይሩ። ኩሉ ተሳታፊ ቛንቛ ተግርኛ ተዛራቢ ብምዃኑ ብሄሩ ትግራዋይ ኢሉ እዩ ጽሒፉ። ትግርኛ ብምዝራብ እንተተሓሲቡ ኣነውን ትግራዋይ እየ ማለት እዩ። ኣነ ግን ብሄረይ ትግርኛ ኢለ እየ ጺሒፈዮ። ምኽንያቱ መንግስቲና ብሄረ ትግርኛ ኢኹም ስለዝበለና’’ ይብል። እዚ ናይ ቛንቛ ሙሁር ዝኾነ ሰብ ትግርኛ ቛንቛ እምበር ብሄር ከም ዘይኮነ ጠፊኡዎ ኣይኮነን፣ ግን ስለዘይደለዮ እዩ።

ኣብዚ ቐረባ እውን ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሽመልባ ከይዳ ክተዛርብ ዝፈተነት ሓንቲ ሰብ መዚ ክልል ትግራይ ሓደ ትግርኛ ተዛራቢ ስደተኛ ከምዚ ኢሉዋ”: “ትግርኛኺ ስለዘይርድኣና ብእንግሊሽ ኣዛርብና”። እንግሊዝኛ ስለዝኽእል ግን ኣይነበረን። (ፍልፍል፡ ባዕላ እታ ሰብ)። ንሱ እንታይ ገይሩ! ኣብ ገዝኡ ኸባቢኡን ናተምሃሮ ዝዓበየ እዩ። እሞ ከምዚኦምን ካልኦትን ዝኣምሰሉ ኣብ ጥቕኦም ከምኦም ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ምህላዉ ዘሕምሞም ኤርትራዊያን ሒዝካ ከመይ ኢሉ እዩ ብሄረ ኣጋኣዚያን ብዝብል ኣምር ሓደ ፖለቲካዊ መስርሕ ክንፈጥር ዝብሉ ዘለዉ?! እሞ ድማ ብናይ ተስፋጺዮን ቕዲ ብሄረ ኣግኣዚያን።

፰ይ - ኣብዛ ዓለም ካብ ናይ ስደተኛታት ካምፕ ኣውጺኣ ዩኒቨርሲቲ ተእቱ ሃገር ኢትዮጵያ ጥራይ እያ። እዚ ዝገበር ዘሎ ኢትዮጵያ ገንዘብ ተሪፉዋ ዘይኮነስ ምእንቲ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላም ፈጢሩ ናብ ንቡር ክምለስ ተባሂሉ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍ ደቃ መንጢላ ንኤርትራዊያን ትገብሮ ዘላ ሰናይ ተግባር እዩ። እስካብ ሀዚ ኣፍቲ ዩኒቨርሲቲታ ተማሂሮም ንርእሶም ናብ ካሊእ ሃገር ክሰጋገሩን ወይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ካብ ምሓዝ ሓሊፎም ርክብ ህዝቢታት ክመሓየሽ ዝጽዕሩ ሰባት ወይ ድማ ጉጅለታት ኣይረኣናን። እረ ገሊኦምስ ኢትዮጵያ ሳላና ትጥቀም ኣላ’ውን ይብሉ እዮም። ግን ኣይንፈርደሎምን፣ ኣይኮነን እዚኦም ናይ ፅለኣት ብፕሮፓጋንዳ ዝተፈጠሩ ወለዶ እቶም መንግስቲ ሃይለስላሰ ኣብ ትግራይ ቤት ትምህርቲታት ዓፂዩ ንእኦም ግን ኣብ ዓዲን ወፃእን ሓብሒቡ ዘምሃሮምን መንግስታዊ ስልጣን ዝሃቦምን ኤርትራዊያን’ውን (ናይ ሎሚ መራሕቲ ሻዕቢያ) ብዂናት እዮም መሊሶምሉ። ንቲ ደቁ ፎቖዶ በረኻታት ኤርትራ ሰዲዱ መስዋእቲ ዝኸፈለሎም ህዝቢ ትግራይ’ውን ካውኡ ዝገደደ ክሕደት ፈጺሞም እዮም፣ ሀዚ’ውን ኣብ ጥፍኣት ይቕፅሉ ኣለዉ። እሞ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝንቡዕ ኣተሓሳስባን ስነ ልቦናን ዘወነነ ክፋል ህዝቢ ሒዝካ ካብ ናብ ኣግኣዚያን ዝብል ስነሓሳብ ሃለውለው ምባል ቕድሚ ኹሉ ህዝቢታት በቢዘለዉዎ ሉኣላዊ ሃገር ኮይኖም ሰላማዊ ርክባት ክህሉዎም ምድካም ዝዋፅእ ምኾነ።

እሞ እቲ ህሉውን መፂኢን ፖለቲካ ሃገረ ኤርትራ ዝውስን ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጥዕና ዘይብሉ ኣራኣያ ኣብ ዘለሉ ኩነታት፣ መጻኢ ፖለቲካን ርክባት ህዝቢታት/ሃገራትን እውን ዝውስን ንሱ ካብ ኮነ፣ እቲ ምስኪን ሓረስታይ ናይ ምውሳን ስልጣኑ ተሓዲጉ ተኣዛዚ እምበር ኣዛዚ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ኮይንካ፣ ብናይ ነዊሕ እዋን ናይ ጽልኢ ፕሮፓጋንዳ ዝተበከለ በዝሒ ዘለዎ ወለዶ ኣብ ዘለሉ ኩነታት፣ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ መሬት ዝውንን ብሄር ትግርኛ ዘይኮነ ህዝቢ እንዳሃለወ፣ ገዚፍ ተኸታሊ እስልምና ኣብ ዘለዎ ሃገር ኮይንካ፣ ክልተ ህዝቢ ኢና፣ ባዕዳዊ ገዛእቲ ኢኹም፣ “ትግራዋይ” ዘይኮናስ “ብሄረ ትግርኛ ኢና” ዝብል ስግኡ ቐንጢቡ ክድርቢ ዝደክም ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብ ሒዝካ ክውንነት ሓዳሽ ሃገር ብሄረ ኣግኣዚያን ዘይሕሰብ እዩ።

እዚ ዝተረሓሓቐ ስነልቦናዊ ኣፈላላይ ናብ ናቡር ንኽመፅእ ሓደ ወለዶ ዝኣኽሎ ኣይመስልን። ንኽልቲኡ ህዝቢ እቲ ዘበለጸ እዋን እቲ ዝሓለፈ 25 ዓመት፣ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ዝነበሩ ዓመታትን እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ሳላ ሻዕቢያን ሰዓብቱን ከሲርናዮ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ዝነበረ ኣፈላላይ ዝገደድ ኣግፊሑዎ ንምሕካም ኣብ ዘጸግመሉ ኩነታት ንርከብ። ካብዚን ካሊእ ተወሰኽቲ ምኽንያታትን ብምብጋስ እቲ ብተስፋጺዮን ዝብሃል ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ (ኤርትራን ትግራይን ዝሓወሰት ብዋናነት ተዛረብቲ ትግርኛ ዝውንኑዋ ናፃ ብሄረ ኣግኣዚያን) ክውንነት የብሉን። ከምኡ ካብ ኮነ እስቲ ብትግራይ ገፅ ዘለዉ ተኸተልቲ እቲ ስነሓሳብ ዝብሉዎ ክንርኢ።

  1. 5.   ተጋሩ ደገፍቲ ስነ-ሓሳብ ኣግኣዚያን

ትግራዋይ ንቲ ብሄረ ኣግኣዚያን ዝብል ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዝጀመረ ይጀምሮ ብዘየገድስ ብቐጥታ ዝምልከቶ ስለዝኾነ ክድግፍ ወይ ክቃወም ሙሉእ መሰል ኣለዎ። ብምዃኑ ድማ ስነ-ሓሳብ ኣግኣዚያን ብትግራይ ወገን እውን ማዕረ ሰሓቢ ዛዕባ ኮይኑ ተሪኺቡስ ንቲ ስነሓሳብ ዝድግፉን ዘይድግፉን ተጋሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ናዘተዩ መርገፂ ዝሕዝሉ ኩነታት ንዕዘብ ኣለና። ድጋፉ ወይም ተቓውምኡ ሃናፃይን ኣብ ክሊ ምኽንያታዊነትን እንተኾነ ረብሕኡ ዝዓዘዘ ስለዝኸውን ካብ ስምዒታዊ ርክባት ነፃ ምዃን የድሊ ነይሩ። እቲ ባይታ ዘሎ ግን ኣይከምኡን። ንሱ ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ምንቅስቓስ ብዝተወደበ ኣገባብ ዘይምዃኑ’ውን ከም ሓደ ኣካል ገይርካ ክትወስዶን ክትግምግሞን ኣፀጋሚ እዩ። እንተኾነ ግን ብሓፈሻ ክርአ እንተሎ ሀ) ስሚዒታዊያን ደግፍቲ ለ) ምኽንያታዊ ደገፍቲ ሐ) ምኽንያታዊ ነቐፍቲን መ) ምኽንያታዊ ተቓወምቲ ይርከቡዎም ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጥቅዑ ሕድሕድ ፅሑፋት ንዘንበበ ብደጋፍቲን ብነቐፍቲን ዘሎ ኣተሓሳስብን እምነትን ንምርኣይ ስለዘኽእል ንሱ መሰረት ገይርና ንምርኣይ ክንፍትን።  

) ስሚዒታዊያን ደግፍቲ

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ከምንዕዝቦ እንተኾይኑ ብክልቲኡ ወገን ዝርከቡ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ብሄረ ኣግኣዚያን ንዚ ተገሊጹ ዘሎ ስነ-ሓሳብ በዘይ ሓንቲ ቅድመ ኩነት ተቐቢሎም ንሶምውን ብዝለዓለ ስምዒት የሰጉሙዎ። ብናይገሊኦም ኣተሓሳስባ እታ ኣብ ዘበነ ኣክሱም ብትግራይን ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራን ዝነብር ህዝቢ ካብ መሰረታ ዝተጣየሸት ሃገርና ኢትዮጵያ ፈጺማ ከም ዘይትብፅሖምን አኳ’ደኣስ ኢትዮጵያ ናይ ሚኒሊክን ናይቶም ሎሚ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበሉ ጒሒላታት ታሪኽን ሃገር ገይሮም ይርኡዋ። ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር ትግራይ ዘይብላ ኢትዮጵያ ነይራ ከም ዘይትፈልጥ ብኣንፃሩ ግን ከሊእ ከባቢታ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ዘይነበራ ሃገር ከምዝነበረትና’ውን ክርድኡ ኣይከኣሉን ገሊኦምውን ኣይደለዩን። ከምኡ ስለዝኾነ እዚኦም ደገፍቲ ንዚ ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ብዝኾነ መገዲ ዝቃወም እንትሪኡ እስካብ ፀርፊን ምፍርራሕን ዝኸዱ ጠገለ ዘይብሎም ስሚዒታዊያን እዮም። ኣብዝሓ ናይ እዚኦም ዓይነት ደገፍቲ ኣብ ታሪኽ ዘለዎም ርድኢት ዝተሓተን እታ ዝፈልጡዋ’ውን ናብ ዝደለዩዎ ኣንፈትን ትርጉምን ናሽረፉ ስምዒቶም ዘሰጉሙ ስለዝኾኑ ነቐፌታ ንዝቐርቡሎም ወገናት ኣብ ክንዲ ከም ሃናፅይ ወሲዶም ዝመሃሩሉን መገዶም ዘዕርዩን ናብቶም ነቐፍቲ ስብእና ብምውራድ ኣንፃር ረብሓ ህዝቢታት ተዛረብቲ ትግርኛ ከምዝኾንካ፣ ሰላም ዘይትደሊ፣ ዘይቅኑዕ ቅዋም ከምዘለካ፣ ኣብ ፀለመ ብሄረ ኣግኣዚያን ከምተዋፈርካ፣ ሕሉፍ ኢትዮጵያዊ፣ ደቂቀ ሚኒልክ፣ ናይ ኣምሓራ ባርነት ዝመረጽካ ወዘተ ዝብሉ መሰረት ዘይብሎም ኣሽማት ምልጣፍን ኣጀውጀውን ይመርፁ። ኣብዚ ምድብ ዘለዉ ደገፍቲ ኢትዮጵያ ነዊሕ ተይከደት ትብተን ሃገር ከምዝኾነት ገይሮም ስለ ዝደምደሙ ኢትዮጵያ ንብለሉ ምኽንያት የለን ናበሉ ኣብቲ ኣፍቲን ይጽሕፉ። ሓዱሽ ሓው ክደሊዩ ምስ ነባር ሓዎም ዝበኣሱ ስሚዒታዊያን።

) ምኽንያታዊ ደገፍቲ

ገለ ኣብ ታሪኽን ፖለቲካን ፅቡቕ ርድኢት ዘለዎም ብትግራይ ወገን ዝርከቡ ምክንያታዊ ደገፍቲ እቲ ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ብውዳበ መልክዕ’ኳ ኣይኹን እምበር (እንተሃሊዩ ኣይፈልጥን) ሓሳቦምን ድጋፎምን ዝሓሸ መልክዕ ከትሕዙዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ይመስሉ። ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፍ መ/ር መሓሪ ዮሃንስ ስነ-ሓሳብ ኣግኣዚያን ኣመልኪቱ ዝጠቅዖ ሓደ ፅሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣ ” … ስትራቴጂካዊ ረብሓና ዝረጋገፀሉ፣ ሕውነት ክልቲኡ ህዝቢ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ፣ ማእኸል ስሕበት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ሃገርና ናብ ሰሜን ዝሰሓበሉ፣ መፃኢ ዕድል ክልልናን ሃገርናን ዝውሰነሉ፣ ክብርናን ታሪኽናን መሊስና እንጭብተሉ፣ ብሓፈሻ መደራደሪ ዕርዲ ተጋሩ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ” ብምባል ”ኣግኣዛውነት መሊኡ ክሳብ ዝጸሪ” ብዞም ዝተጠቐሱ ገይሩ ክርድአሎም የተሓሳስብ። ኣብዚ ገና ግልፂ ክግበሩ ዘለዎም ሓሳብ ዘለዉዎ’ኳ እንተኾነ እቶም ቀሪቦም ዘለዉ ብሓፈሽኡ እንትረኣዩ ቅኑዕ ሓሳባት ገይርካ ምውሳድ ይከኣል እዩ። መ/ር መሓሪ ኣብ ካልእ መዓልቲ’ውን ”ኤርትራን ትግራይን ሓዊሰ ሓዳሽ ሃገር ክፈጥር እየ ዝበለ መገዱ ጨርቂ ይግበረሉ፣ ንሕና ንቃለስ ዘለና ነቲ ተጻራሪ ጉዕዞ ክኸይድ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ህዝቢ ክነፍትሕ እምበር ንሰለ ሓዱሽ ካርታ ኣይኮነን” ክብል እቲ ኣብ ገለ ሰባት ዘሎ ስኽፍታ ዘፉክስ መልእኽቲ ምጥቅዑ ይዝከር። ብተመሳሳሊ ተፋኪሮስ ኣረፈ ”ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ቀንዲ ዕማሙ ሕውነት ህዝቢ” ምዃኑ ብምግላፅ ቐንዲ መማረጺ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ትግራይ ክኾኑ ዝኽእሉ እዮም ዝበሎም ሰለስተ ኣገደስቲ ነጥቢታት ኣቐሚጡ ኣሎ ፩ይ/ ኤርትራን ትግራይን ኣብ ትሕቲ ሓደ ምሕደራ ኣትየን ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልወና ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓን ፅልዋን ምድንፋዕ። ፪ይ/ ኤርትራን ትግራይን ሓዊስካ ባዕሉ ዝኻኣለ ዓዲ ምህናፅ። ፫ይ/ ሰላማዊ ርክብ ዘለዎን ፅቡቕ ጎረባብቲ ምዃን (ተፋኪሮስAugust 7 at 11:29pm ኣብ ፌስቡክ ዝጠቅዖ)። ዝብሉ እዮም። ናይ ክልቲኦም ሓሳንብ ብሓፈሻ እንትርአ ኣብ ክልቲኡ ህዝቢ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ናብ ንቡር መሊስካ መፅኢ ዕድልካ ምምችቻውን ብዝብል ምጥቕላል ይከኣል። እቲ ናይ ህዝቢታት ርክብ ናብ ንቡር ምምላስ ዝብል መንግስቲ’ውን እንተይተረፈ ዝድግፎ ሓሳብ ኮይኑ ብጠቕላላ ኣፍቲ ምንቅስቓስ ግን ብዙሓት ዘይጸረዩ ነገራት ስለዘለዉ ንኸቢድ ነቐፌታ ዝተቓልዐ ኮይኑ ይርአ።

ሐ) ምኽንያታዊ ነቐፍቲ

ኣብዚ ኣርእስቲ ደጋጊሞም ዝጽሑፉ ሰባት ዝትወሰኑ’ኳ እንተኾኑ ብሪኢቶ ደረጃ ዝሳተፉ ግና ብዙሓት ብምዃኖም እቲ ዘተ ውዑይን ነዊሕን ኮይኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ኣብቲ ብተጋሩ ዝግበር ዘተ’ውን እንተኾነ እቲ ብኤርትራ ገፅ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን፣ ብፍላይ ድማ እቲ ብተስፋጺዮን ዝመራሕ ተየልዓልካ ምሕላፍ ዘይከኣለሉ እኹል ምኽንያታት ኣለዉ። ገለ ምኽንያታዊ ደገፍቲ እቲ ስነሓሳብ እዚ ብተስፋጺዮን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ጌጋታት ከምዘለዎ ብምእማን ኣብ ከይዲ ንስትራቴጂካዊ ረብሓ ህዝብና ብዝጥዕም ናኣረምናን ናቓነናን ስለ ንቕፅል እዚ ጌጋታት ዘተሓሳስብ ኣይኮነን ናበሉ ነቐፍቶም ክርድኡሎም ይምሕፀኑ። እቲ ናኣረምና ስትራቴጂካዊ ረብሓና ክነውዕሎ ኣለና ዝብል ኣዚዩ ቕኑዕ’ኳ እንተኾነ ብነቐፍቲ ዝልዓሉ ዘለዉ ተኣፈፍቲ ጉዳያት ብገንኡ ተዘይተፈቲሖም ንጠቕላላ እቲ ምንቅስቓስ ሓሊኾም ከምዘውድቕዎ ግን ክርድኡ ኣይከኣሉን፣ ኣይደልዩን’ውን። እቶም ካብ ነቐፍቲ ዝለዓሉ ጉዳያት ንፅባሕ ይሕደር ዘይበሃሉ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎምን ከምዝኾኑ ናተፈለጡ ናብ መድረኽ ኣውጺእኻ ግልጺ ዝኾነ መርገጺ ምሓዝ ኣይደሊዩን። እቲ ዝንቀፍ ዘሎ ጉዳይ ግልጺ ንምግባር ከም እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ ተስፋጺዮን ዝሓዞ ዕላማ ብፍላይ ድማ ኣብ እስልምናን ተኸተልቲ እቲ እምነት ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ብሄራትን ዘለዎ ዘይቅኑዕን ፋሺሽታዊ ክበሃል ዝኽእልን መርገጺ ኮይኑ ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ብስሩውን ተቐንጢቡ ክድርበ ዝግባእ ጌጋ ከምዘለዎ ናተረድኡ ብግልጺ እንድሕር ዘይእርሙዎን ትኽክለኛ መርገጺኦም እንድሕር ዘየፍልጡን ኩሎም ብትግራይ ዘለዉ ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ተኸተልቲ’ውን ናይ ተስፋጺዮን ኣተሓሳስባ ከምተቐበሉዎ ገይሩ ዝድምድምን ኣምሪሩ ዝቃወምን እንተራኣዩ ዘገርም ኣይኮነን። ሓደ Tesfu Addis ዝተብሃለ ተሳታፊ ማሕበራዊ ሚዲያ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ትግራይ ምስቲ ናይ ኤርትራ ዘለዎ ናይ ሓሳብ ርክብን ፍልልይን ኣመልኪቱ ከም ዝስዕብ ሪኢቶን ሕቶን ይቕርብ

“ብፍላይ እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ምንቅስቓስ ፅርይ ዝበለ ኣቋም ምሓዝ ዝተስኣኖ ይመስል። ብወገን ኤርትራ ዘሎ ተስፋፅዮን ዝመርሖምንቅስቓስ ግን ኣቋሙ ግልፂ ገይሩ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ክልቲኡ ሃገር ዝርከቡ ትግርኛ ዝዛረቡ ህዝብታት ማእኸል ከምዝገብር፣ ዖሪታዊ መትከላት ከም መራኸቢ ድልድል ከምዝጥቀም፣ ኣስላምን ካልኦት ኣብዚ ቦታ ዝነብሩ ብሄራትን ድማ ኣካል እዚ ምንቅስቓስ ከምዘይኮኑ ዳርጋ ብግልፂ ቋንቋ ገሊፁ ኣሎ። ከም ናተይ እምነት፣ ከም ተጋሩ ቅድሚ ነዚ ናይ ተስፋፅዮን ምንቅስቓስ ድጋፍ ምሃብና እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ክንሓትት ይግባእ። ዓላማ ናይዚ ምንቅስቓስ እንድሕር ኣብ መረብ ምላሽን-ስግርን ዝርከቡ ተጋሩትግርኛ ዝዛረቡህዝብታት ኣኪብካ ሓደ ሃገር ምፍጣር ኮይኑ፣ ኣብ ክንዲ ትግራዋይ ዝብል ሽም ዝጥቀም ንምንታይ እዩ ኣግዝያን ናብ ዝብል ከይዱትግራይ እንታይ ኮነስልጣነ ኣኽሱም ከም ናይ ሓባር ታሪኽ እንተደኣዝጥቀም ኮይኑ፣ ከመይ ገይሩ ደኣ ንኣስላምን ካልኦት ብሄራት እቲ ኸባብን ከግልሎም ክኢሉናይ ኣኽሱም ስልጣነ ከመይ ገይሩ ንክርስትያን ቀሪቡ ንእስልምና ረሓቖ ወይከዓ ንወዲ ሓማሴን ቀሪቡ ንኩናማዋና ወዲ ገዛ ረሓቖዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ንክምልሱ ክንሓቶም ይግባእ። እንተዘየለ ንኺድ ጥራሕ ብዝብል ናይ ልፍንቲ ድልያ ምጉዓዝ ግን ዝቐደመ እውን ስለዘይጠቐመና ምጥንቃቕ ዝሓይሽ ይመስለኒ (ዝተጠቅዖ August 19 at 7:56pm)።

እቲ ዝተጠቐሰ ጫፍ ዝሓዘ መርገጺ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ሰላምን ሓቢርካ ምንባርን ዘይዕድምን ኣብ ዘለናዮ ዘበን ድማ ፈጺሙ ክሕሰብ ዘይብሉ ኣንፃር ህዝቢታት ዘቕንዐ መገዲ ጥፍኣት ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እዙይ ንዝኾነ ሕልና ዘለዎ ሰብ ርዱእ’ኳ እንተኾነ ኣብዞም ምኽንያታዊ ደገፍቲ ንብሎም’ውን እቲ ጉዳይ ዓባቢጥካ ናይ ምሕላፍ ኩነታት እዩ ዝርአ። እቲ ዝገርም ካብ ንቲ ዘይቅኑዕ ሓሳብ ዘሰጉም ዘሎ ብግልጺ ምንቃፍ ንነቐፍቱ ኣምሪሮም ክነቕፉ ይራኣዩ። ብኤርትራ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ከየቐይሙስ ብትግራይ ንዘሎ ሓዎም ብዝተፈላለየ ኣሽማት ናጠመቑ ይውዕሉ። ሓዱሽ ሓው ክትደሊስ ነባር ሓው ምኽሳር ዝዓይነቱ እዩ እዚ´ውን! መገረሚ! እሞ እምበኣር ካብ እቲ ዘይቅኑዕ ዝብሉዎ ነቐፌታ ነፃ ንምውፃእን ብስሩ´ውን ዕላምኦም ብጥርጣረ ከይርአን እንተድሊዮም ከም´ቶም ካብ ተስፋጺዮን ዝመርሖ ተነጺሎም ዝውፅኡን መርገጺኦም ግልጺ ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኤርትራዊያን ተኸተልቲ ስነ-ሓሳብ ብሄረ ኣግኣዚያን ብትግራይ ዘለዉ´ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ዕላምኦምን ባህግታቶምን ብግልፂ ንህዝቢ ከፍልጡ ግድን እዩ ኢልና ንኣምን። ከምዚ ዓይነት ብደገፍቲን ነቐፍቲን ተቓወምቲን እቲ ምንቅስቓስ ዝለዓሉ ተቓረንቲ ሓሳባት ናበርትዐ ይኸይድ ስለዘሎ ”ንስነ-ሓሳብ ኣግኣዚያን ብመንፅር ተስፋጺዮን ጥራይ ኣይትርኣዩዎ’’ ብምባል ምስኡ ዘለዎም ፍልልይን ሓድነትን ብዝርዝር እንተይገለጹ ስነሓሳብ ኣግኣዚያን ንስትራቴጂካዊ ረብሓ ትግራይ ዝጠቅም ምዃኑ ከረድኡ ዝፍትኑ ተጋሩ ንዕዘብ። ንምዃኑ ኣብዚ ዘተ ተስፋጺዮንን ሰዓብቱን ሱቕ ኢልካ ዘይሕለፉ ንምንታይ ኮይኖም? ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ።

ክምቲ ኹሉ ዝፈልጦ ብክልቲኡ ወገን (ብኤርትራን ትግራይን) ዘሎ ምንቅስቓስ ”ብሄረ ኣግኣዚያን” ሓደ ዓይነት ሽም ሒዙ እዩ ዝነጥፍ ዘሎ። ቀጺሉ ድማ ናይዚ ብሄረ ኣግኣዚያን መሪሕ ኮይኑ ብዕሊ ኣብ ኣደባባይ ዝወፅአ፣ እንተነኣሰ ኣንፈት ፖለቲካዊ ፕሮግራሙን ሙሉእ ዓላምኡን ዘቕረበ፣ በቢእዋኑ ቅዋም ናይቲ ምንቅስቓስ ዝገልፅ ቪዲዮን ዝዝርግሕን ዘሎን፣ ብኽልቲኡ ወገን ኣፍልጦ ዝሃቡዋ ባንዴራ ዝተኸለ፣ ዝትወደቡ ጉጅለታት በቢ ዓዱ ዘለዉዎ፣ ብስሩ´ውን ናይ ኣባላት መዋጮ እስካብ ምግባር ዝበጽሐን፣ ብትግራይ´ውን ደገፍቲ ዘለዉዎ፣ ብሰዓብቱ’ውን ከም ጅግና ተቖጺሩ ሓሳባቱ ኣብ ኩሉ ዝዝርጋሕ ዘሎን፣ ካብ ተፃረርቱ ክርስቲያን፣ ኣስላም፣ ትግርኛ ተዛረቢ፣ ካልእ ብሄራትን ተቓውሞ ዝመጽኦ ዘሎ ንሱ ስለዝኾነን ብተጋሩ ዝግበር ምንቅስቓስ ብሄረ ኣግኣዚያን እውን ጎድናጎድኒ ምስቲ ብተስፋጺዮን ዘስጉሞ ሓሳብ ክንሪኦ ግድን እዩ። ካብቲ ናይ ተስፋጺዮን ዕላማን መትከላት ዝተፈለና ብሄረ ኣግኣዚያን ኢና ብናቱ ኣይትገምግሙና ዝብሉ ዘለዉ ተጋሩ ክገብሩዎ ዝግባእ ነገር እንተሃሊዩ ሓደ ዝገብሮምን ዝፈላልዮን ነጥቢታት ግልጺ ገይርካ ምውፅእን ፍልልይካ ንምፅባብ ምስራሕን እዩ ዝኸውን።

ካብ ስሚዒታዊያን ደግፍቲ፣ ምኽንያታዊ ደገፍቲን፣ ምኽንያታዊ ነቐፍትን በተፃራሪ ምኽንያታዊን ተቓወምቲ ድማ ስነሓሳብን ምንቅስቓስን ኣግኣዚያን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ብሻዕቢያ ዝተሃቀነ ውዲት ከምዝኾነ ይኣምኑን ንቲ ምንቅስቓስ’ውን ሙሉእ ብሙሉእ ይኹንኑዎን። ንመቃወሚኦም ከም ምኽንያታት ዘቕርቡዎውን ኣለዎም።

መ) ምኽንያታዊ ተቓወምቲ

“ኣብ ጥቓ ኤርትራ ትነብር ዓባይን ሓያልን ሃገር ንኤርትራ ሓደጋ እያ” ዝብል ሻዕቢያ ዝሓዞ ፀረ ኢትዮጵያ ቅዋም፣ ቕድሚ ኢትዮ-ኤርትራ ውግእውን “ኣብ ትግራይ ዝተከላ ፋብሪካታት ናብ ኤርትራ ዝተፃወዳ ሚሳይላት እየን” ዝብሉ ኣባህላ ሻዕቢያ፣ ኢትዮጵያ ሓዊ ከእትወላን ንምብታን እስካብ ሀዚ ሻዕቢያ ዝገበሮምን ዘገብሮም ዘሎ ቀጥተኛን ተዘዋዋሪ ተፃብኦትታን፣ እቲ ብንተስፋጺዮን ዝምራሕ ብሄረ ኣግኣዚያን ናይ ሻዕቢያ ተደናገፅቲ ዝመልኦ ከምዝኾኑን፣ ሻዕቢያን ህግደፍን ሓደ ክንሶም ክልተ ድርብ መለክዒታት ብምጥቃም መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ እከይ ስራሕቲ ጨኪኖም ዘይዛረብሉ ነገር ግን ንምምሳል ደቀቕቲ ጉዳያት ብምልዓል ዝነቕፉዎ ምዃኖም፣ ንመንግስቲ ህግደፍ ኣምሪሮም ዝቃወሙ ካልኦት ዳያስፖራ ኤርትራዊያን ይነቅፍን የናሽዉን፣ ብኣንፃሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ልክዕ ከምታ ሻዕቢያ ዝጠቀመላ ኣባህላ መንግስቲ ወያነ ኢሎም ብምፅዋዕ ህወሓት ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበለ ሓይሊ ከምዘይኮነን ደጋጊምካ ብምቕራብ ውድብን መንግስቲን ምስ ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ዝግበር ሽርሒ እዩ ኢሎም ብምእማን፣ ትግራይ፣ ትግርኛን፣ ትግራዋይነት፣ ጥንታዊ ታሪኽ ኣቦ ሓጎታትና፣ ኣክሱም ወዘተ ዝብሉ ትግራዋይ ዝፈትዎምን ስሚዒቱ ዝቕስቅስሉን ነገራት ናተጠቐምካ ንመንእሰይ ትግራይ ምልዕዓል፣ ገዛእቲ ኣምሓራ ዝፈጸሙዎ ግፍዒታት ደጋጊምካ ብምጥቃስ ኣብ ህዝቢ ኣምሓራን ካልኦትን ብሓፈሽኡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፅለኣት ክሓድረካ ምግባር፣ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሚኢቲ ዓመት ሚኒሊክ ዝሰርሓ እምበር ታሪኽ ዝፈልጣ ሃገር ከምዘይኮነት ንቶም ኣዚዮም ዝተሰንዱ ታሪኽ እንተይተረፈ ሓሶትን ሓቂን ናሓወስካ ታሪኽ ዝፍርስ መደናገሪ ጎስጓስ ብምግባር ካብ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ክርሕቕ ክምነን ኢሉ´ውን ኣንፃር ሃገሩ ክሰርሕን ጎስጓስ ስለዘካይዱ እቲ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ናይ ሻዕቢያ ልኡኽቶ ፈፃሚ ገይሮም ዝሪኡዎ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ከምቲ ዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ኢትዮጵያ ንምብታን ዘይገበሮ ፃዕሪ የለን። ብናይ ሻዕቢያ እምነት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ብናቱ ኣገላልፃ ”ናይ ወያነ” ወይ ድማ ”ናይ ማይኖሪቲ መግዛእቲ” እዩ። ትግራይን ተጋሩን ዘይብላ ኢትዮጵያ ድማ ሓደ መዓልቲ ኣይትሓድርን ኢሉ ከምዝኣምን ብዙሕ መግለጺታት ኣለዉ። ብምዃኑ ድማ ኩሎም ኣንፃር ወያነ ብዕሊ ጠጠው ዝበሉ ውሽጣዊን ደጋዊን ሓይሊታት፣ ባዕሉ ዝፈጠሮም ውድባትን ናይ ፀጥታ መሓዉራቱን ዝተፈላላዩ መራኸቢ ሓፋሽን ተጠቒሙ ኣንፃር ህወሓት ጥራይ ዘይኮነስ ኣንፃር መላእ ህዝቢ ትግራይ እስካብ ዘርኢ ምጥፋእ ዝኸይድ ጎስጓስ ይገብር ፀኒሑ እዩ ይቕፅልውን ኣሎ። ሻዕቢያ ወይ መንግስቲ ህግደፍ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዝጸንሐን ዝቕፅለሉ ዘሎን ፀረ ህዝቢ ምንቅስቓስ ናተፈለጠ ብኤርትራ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ኣብዚ ዋላ ሓንቲ ዝብሎ የብሉን። እኳደኣስ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንዝወርድ ኩሉ ሓጢያት ህዝቢ ኣምሓራን እቲ ዘሎ ስርዓትን ተጠያቒ ይገብር። ብሓደ ወገን እዞም ልዕል ኢሎም ተፀሪሖም ዘለዉ መጠርጠሪ ምኽንያታት ኣብ ባህሪያትን ግብራዊ ምንቅስቓስ ሻዕቢያን ንነዊሕ ዓመታት ብጭቡጥ ዝተርኣዩ ስለዝኾኑ፤ ብቲ ካልእ ድማ ብኤርትራ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን’ውን ኣብ መንግስቲ ህግደፍ ግልጺን ዘየማትእ መርገጺን ስለዘይብሉን ብስሩውን ፍጹም ኣንፃር ህዝቢታትን እምነታትን ዝኾነ ጎስጓስ ስለዝገብርን ዕላማ ናይቲ ምንቅስቓስ ኣብ ጥርጣረ እንተኣተወ ዘገርም ኣይኮነን። ብዝኾነ እቲ ጉዳይ ብድምር ክርአ እንተሎ ንዚ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያን ዝድግፉን ዝቃወሙን ብነቐፌታዊ ዓይኒን ብምርኣይ ሓሳቦም ዝልግሱን ኩሎም ደሚርና እንተሪኢና መፃኢ ዕድሎም ብዝምልከት ኣብ ሓሙሽት ክምደቡ ዝኽእሉ መማረጺ ሓሳባት የቐምጡ።

  1. 6.   ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝቐርቡ መማረፂ ሓሳባት

ኣብዚ ናይ ኣግኣዚያን ጉዳይ ሓደ ግልጺ ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ መስመር ዘለዎን ንቲ ኣተሓሳስባ ሓላፍነት ዝስከምን ዝተወደበ ሓይሊ ስለዘየለ ብስሩ’ውን ክፀሪ ዝግብኦ ነገር ዘሎዎ’ኳ እንተኾነ ካብዚ ኣብ መረባ ፌስቡክ ዝግበር ዘሎ ዘተ ጉዳይ ኣግኣዚያን ትግራይ ሓፈሻዊ መልክዑን ኣንፈቱን ናበይ ከምዘበል ዘመላኽቱ ኣተሕሳስባታት ብሓፂሩ ኣብ ሓሙሽተ ከፊልካ ምርኣይ ይከኣል። 

፩ይ/ እቶም ኣብ ደማዊ ተፃብኦ ኣቲዮም ዘለዉ ክልተ ትግርኛ ተዛረብቲ ህዝቢታት ኣቀራሪብካ ርክቦም ናብ ንቡር ምምላስን ምስ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዘለዉ ኩሎም ብሄራትን እምነታትን ብዘይ ኣፈላላይ ብሓደ ኮይንካ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ መስርሕ ብምዃን ናይ ሓባር ዘላቒ ረብሓኻ ምርግጋፅ። ንኽልቲኡ ህዝቢ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ዝደሊ ሰብ ክምነዮ ዝግባእ ብሉፅ መማረጺ እዩ።


፪ይ/ ብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝብጸሕ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ብምጭናቕን ዘላቒ ውሕስና ብምስኣንን ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ነጺልካ ምስ ኤርትራ ሓደ ሃገር ምምስራት ዝብሉውን ኣለዉ። እዚ ምድብ ኣብ ኢትዮጵያን ዘላቒ ውሕስና የብልናን ኢልካ ካብ ምሕሳብ ዝብገስ እምበር ከምቲ ኣብ ፭ይ ተገሊጹ ዘሎ ኢትዮጵያ ከም ዘይናትካ ንርእስኻ’ውን ከም ኢትዮጵያዊ ካብ ዘይምርኣይን ዝፍልፍል ኣይኮነን። እዚ መማረጺ ንዝኾነ ሰብ ከተሓሳስብ ዝኽእል ስለዝኾነ ምኽንያታዊ እዩ። ዜጋታት ውሕስና ብምስኣን ናብ ከመይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ይኸዱ ከምዘለዉ ዘመላኽት ስለዝኾነ ልቢ ኢልካ ክርአ ዝግባእ ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ።

፫ይ/ እቶም ቐንዲ ኣብ ቅርሕንቲ ኣቲዮም ዘለዉ ክልተ ተዛረብቲ ትግርኛ ህዝቢታት ኣብ ዘዘለዉ ሉኣላዊ ሃገር ኮይኖም ርክቦም ግና ናብ ንቡር ምምላስ ቐዳምነት ተዋሂቡዎ ኣብ ከይዲ ድማ ምስ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዘለዉ ኩሎም ብሄራት ብሓደ ኮይንካ መፃኢ ዕድልካ ናበይ ከም ዘብል ምርኣይ። እዚ መማረጺ እቲ ኣብዚ አዋን ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይኲናት ኩነታት ቐይርካ ከም ሰላማዊ ርክብ ዘለዎን ክልተ ሃገራት (ኢትዮጵያን ኤርትራን) ኮይንካ ዝሕሰብ እዩ። እዙይውን ፅቡቕ መማረጺ ክበሃል ዝከኣል እዩ።


፬ይ/ ኣብ ሞንጎ ተዛረብቲ ትግርኛ ዘሎ ርክብ ጥራይ ናብ ንቡር ይመለስ፣ ንኺድ ጥራይ ናይ መፃኢ ክልቲኡ ህዝቢ ይውስኖ ዝብሉ።


፭ይ/ ኢትዮጵያ ናይ ሚኒሊክ፣ ናይ ሸዋውያን፣ ናይ ኣምሓሩ እያ። ጥፍኣት ትግራይን ተጋሩን ተስፋ ዘይብላ ሃገርን ስለዝኾነት ተጋሩን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ብሄረ ትግርኛን ርክቦም ናብ ሰላም ቀይርካን ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ነጺልካ ብህዝቢ ግእዝ (ትግርኛ ተዛረብቲን ትግረን) ትውነን ኦሪታዊ/ፅዮናዊት (ገሊኦምውን ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ይብሉ) ሃገር ምምስራት። እዚኦም ናይ ብሄር ይኹን እምነት ብዙሕነት ስለዘይቕበሉ ኣብ ክልቲኡ ዝርከቡ ካልኦት ብሄራትን እምነታትን ናይ ማይኖሪቲ መሰል ተኸቢሩሎም ይነብሩ እዮም ዝብሉ። እዚ ዘይቕበል ብሄርን ካልእ እምነትን ድማ ኣብዛ ሃገር ቦታ የብሉን ኢሎም ዝከራኸሩ ኣለዉ። ብሓፈሽኡ ምስቲ ፋሺሽታዊ ኣተሓሳባ ዘሰጉም ዘሎ (ደገፍቱ ግና “በዓል ራእይ ኣቦና” ዝብሉዎ) ተስፋጺዮን ኣዚዩ ዘመሳስል ነገር ዘለዎም ወገናት እዮም።

  1. ክፀሪ ዘለዎ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ

ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ሰላም ክፍጠር ዘይደሊ የለን። ሰላም ዝመፅእ ግን ህዝቢ ናመረጽካ ዘይኮነስ ብኹሉ ወገን ዝርከብ ምልኣተ ህዝቢ ዝሓውስ እንትኸውን ጥራይ እዩ ዝሳኻዕ። ብምዃኑ ድማ ስነ ሕሳብ ኣግኣዚያን ኣብዚ ዘየማትእ መርገጺ ክህልዎ ናይ ግድን ይኸውን። እቲ ብኤርትራ (ብተስፋጺዮን) ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብዚ መዳይ ዘለዎ ፀረ ህዝቢታትን እምነታትን ኣራእያ ተዘይዓሪዩ ኣካል ናይዚ ብትግራይ (ኣብ ፌስቡክ) ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ተገይሩ ክርአ የብሉን። እቶም ብትግራይ ወገን ዘለዉ ኣብ ብሄርን እምነትን ዘለዎም ገዛኢ ኣራእያ ብዙሕ ዘሰክፍ’ኳ ተዘይኮነ ክፀርዩ ዘለዎም ሓሳባት ግን ኣለዉ።

ሀ/ ስነ ሓሳብ ኣግኣዚያን ካብ ትርጉም እቲ ቃል እንተጀሚርና ንርእሱ ከቢድ ሽግር ዘለዎ እዩ። ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ኣግኣዚያን ህዝቢ ግእዝ እዩ። እሞ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ህዝቢ ግእዝ ድዩ? እቲ ብተስፋጺዮን ዝምራሕ ምንቅስቓስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩሉ ህዝቢ ግእዝ ከምዘይኮነ ግልጺ ገይሮም እዮም። እቲ ካበኦም ተነጺለ ወጽኤ ዝብል “ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዚያን” ግን “ኣግኣዝያን ባህላዊ መንነት ናይ ምድረ ኣግኣዝያን አምበር ሓደ ዓልየት ወይ ሃይማኖት ኣይኮነን,.. ብትውልዲ ሕውስዋስ ህዝቢ ስለ ዝኾና ኩሉ ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ዝርከብ ብሄር ኣግኣዚያዊ እዩ” ኢሉ ከምዝኣምን ኣብ ዝዘርግሖ ቪዲዮ ይግልፅ። ዝርዝር ፖለቲካዊ ኣጀንድኡ ብዙሕ ግልፂ ዘይገበረኳ እንተኾነ “ሃገራዊ ግንባር ኣግኣዚያን” ንኹሎም ብሄራትን እምነታትን ዝቕበል ስለዝኾነ ኩሉ ምንቅስቓሳቱን ኣብቲ ኢትዮጵያ ክብትን ቐትሪን ለይትን ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራን ዘለዎም መርገጺን ኣድቂቅካ ንምርዳእ ምእንታን ምክትታል ከድሊ እዩ።

ለ/ ትግራይን ኤርትራን ናይ ትግርኛ ተዛረብቲ ጥራይ ዘይኮናስ ናይ ኩሎም ኣብቲ ግዝአተ መሬት ዘለዉ ብሄራትን ተኸተልቲ ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖትን ሰብ ሃይማኖት ኣልቦን እየን። ስለዚህ እቲ ክምስረት ዝድለ ዘሎ ሕውነት’ውን ኣብ ተዛረብቲ ትግርኛ ጥራይ ዝተወሰነ ዘይኮንስ ብኽልቲኡ ገፅ ዘለዉ ኩሎም ህዝቢታትን እምነታትን ዝምልከት ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ወፃኢ በመገዲ ተስፋጺዮን ምኻድ እዩ። ንሱ ድማ ዑሉል ፋሺዝም እዩ። ናይ ብሄር ኣድሉዎ ኣሎ ኢሉ ንሓድነት ብሄራት ካብ ዝተቓለስ ህዝቢ ወጺኻ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተስዓረ “ኣንድ ብሄር፣ ኣንድ ቋንቋ፣ ኣንድ ኣገር፣ ኣንድ ህዝብ” ወዘተ ዝብል ኣተሓሳስባ ትምኽሕቲ “ህዝቢ ግእዝ፣ ሓደ ህዝቢ፣ ሓደ እምነት” ዝብል ጨፍላቒ ኣተሓሳስባ ኣብዚ ዘበን ቕቡል ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ።

ሐ/ ብሄረ ኣግኣዚያን ዝብል ስነ ሓሳብ ብትግራይን ብኤርትራን ናይ ቃል ኣፈላላይ ብዘይብሉ ሕወነት ህዝቢታት ናብ ንቡር ምምላስ ዝብል ሰናይ ኣምር ተሸፊኑ ይቕፅል ኣሎ። ኣብ ትርጉምን ባህጊታቱን ግን ኣፈላላይ ከምዘለዎ ልዕል ኢሉ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት "ሃገር ኣፍሪስካ ሃገር ናይ ምምስራት ኣጀንዳ የብልናን" ዝብል ሓሳብ ካብቲ ብኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኣዚዩ ዝፍለ እዩ። ኣብ ብሄርን እምነትን እውን ብኤርትራን ፍጹም ፅንፊ ዝኸድ እንትከውን ብትግራይ በተዛማዲ ዝሓሸ ኮይኑ ይርአ። ብኤርትራ ወገን ዝቐረበት መማረጺት ትግራይ ነፂልካ ናብ ኤርትራ ምፅንባር ዝብል እንትኸውን ብትግራይ ዘለዉ ግን ዝተፈላላዩ መማረጺታት ኣቐሚጦም ኣለዉ። እዚ እወንታዊን ንብዙሓት ካብ ጥርጣረ ከድሕኖም ዝኽእልን እዩ። እቲ ኣፈላላይ ብዘይስኽፍታ ክወፅእን ክግለፅን ግን ኣለዎ።

መ/ ምስ መረብ ስግር ዝርከብ ህዝቢት ትግርኛ ብዝኾነ ኣገባብ ሰላምን ርክብን ክፍጠር ምስ ኣምሓሩ ይኹን ካልኦት ህዝቢታት ወይ ብሄራት ክንበኣስ፣ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከንቋናፅብን ክነፋርስን ግድን ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት ትገፍሕን ትፀብብን ደኣ ነይራ እምበር ከም ሃገር ምኒሊክ ዝፈጠራ ሃገር ከምዘይኮነት ናይ ታሪኽ ሀሁ ዘነበበ ዝርድኦ እዩ። እዚ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ኣንፃር ድኻምን መስዋእቲን ኣቦ ሓጎታትካን ናይዚ ወለዶ እዚ ኣያታትካን ጠጠው ምባል እዩ። ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢታት ምቅላስን ምምሃርን እንዳሃለወ ኤርትራዊያን ናይ ምንፃል ሕቶኦም ቕቡል ክኸውን ክብሉ ሓቂን ሓሶትን ደሚሮም መሳርሒ ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ ብምግባሮም እቲ ዘሎ ወልዶ ብስነ ልቦና ይኹን ንታሪኽን ንርእሱን ዘለዎ ኣረዳድኣ ናብ ጉጉይ ኣንፈት ወሲዱዎ ውፂኢቱ ድማ እቲ ንሪኦ ዘለና እዩ። ስለዚህ ናይ ምንፃል ሕቶ ዝሓትት ሰብ ወይውን ጉጅለ እንተሃሊዩ ኣብ ሓቅን ርትዓውነትን ተመስሪቱ፣ ሕገመንግስቲ ተጠቒሙን ህዝቢ ኣእሚኑን መሰሉ የኽብር እምበር ናብ ብዕራይ ወለደ ፕሮፓጋንዳን ዓርስኻ ምክሓድን ምእታው ዕጭኡ ካብ እቶም ኣሕዋትና ዝፍለ ኣይኸውንን።

ሠ/ ብቶም ትምክሕተኛታትን ታሪኻዊ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይን ተሸቑሪሮም ትግራይ ተነጺላ ምስ ኤርትራ ከትከውን ኣለዋ ዝብሉ ኣብቲ ክኸዱዎ ወይውን ክፈጥሩዎ ዝሓስቡ ዘለዉ ሓዱሽ ሃገር ገነት ከምዝጸንሕ ምንም ውሕስና ከምዘየለ ምርዳእ የድሊ። ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ተነጺሎም ኣብ ከመይ ዓይነት ተቓርኖን ምብትታንን ኣቲዮም ከምዘለዉ ምግንዛብ የድሊ። ዓበይቲ ዓሓትናን ኣሕዋትናን እቲ ዝነበረ ሕሱም ኣድላዊ ስርዓት ቀይርካ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። ኣብዚ እዋን ዘሎ ወለዶ ድማ ኣጅንዱኡ ምንፀል ዘይኮነስ ካብዚ ዘሎ ዝሓሸ ስርዓት ንምምፃእ እዩ ክቃለስ ዘለዎ።

ረ/ ብትግራይ ወገን ንቲ ብተስፋጺዮን ዝካየድ ዘሎ ነፃሊን ጸረ ደቂ ሰባት ዝኾነ ቅዲ ኣግኣዚያንነት ኣብ ምእራምን ብስሩውን ኣብ ምውጋዝን ዝበሃል ነገር የለን ጥራይ ዘይኮነስ ገሌና እንተነቐፍናዮውን ዝቃውሙናን ሽም ዝውፅኡልናን ተጋሩ ክንርኢ እንተለና ንቲ ምንቅስቓስ ክንጠራጠሮ ባህሪያዊ እዩ። ስለዚህ ናይ ገዛ ዕዮኻ ዘይሰራሕካ ናሃለኻ ንነቐፍቲ ጥራይ ምውቃስ ዝገደደ ፍልልይካ ምግፋሕ ጥራይ ዘይኮነስ ተዓዘብቲ ኣብቲ ምንቅስቓስ ጉጉይ ርድኢት ሒዞም ክቕፅሉ ዕድል ዝኸፍት እዩ።

  1. 8.   መጠቓለሊ

መጀመርታ “ብሄር ኣጋኣዚያን” ዝብል ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ንሰላማዊ ርክብ ኩሎም ብክልቲኡ ወገን ዝርከቡ ህዝቢታት እስካብ ዝኾነ ዝድገፍ እዩ። ቀጺሉ ድማ ንኹሎም እምነታትን ብሄራትን ማዕረን ከም ሰብ ዋና እዘን ሃገራት ገይሩ ዝርኢን ክኸውን ግድን እዩ። ኣብዞም ዝተጠቐሱ ክልተ ነጥቢታት ንድርድር ዝቐርብን ምድንጋርን ፍጹም ክህሉ የብሉን። እዚ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ትግባርኡ ኣብ ክሊ ኢትዮጵያ እንተኾይኑ ድማ ኣዚዩ ዝበለጸ ሓሳብ ኢልካ ዝውሰድ እዩ ዝኸውን። ብኹለንተንኡ ዘዋፅእ ስለዝኾነ። እቲ ብኢትዮጵያ ተስፋ ዝቖረጹ ወይውን ኢትዮጵያ ናይ ሚኒሊክ ገይሮም ዝሪኡ ገለ ውሑዳት ተጋሩን ኤርትራዊያንን ዝበሃል ዘሎ ካብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ መስርሕ ወፃኢ ዝግበር ሓዱሽ መልክዓ-ምድራዊን ናይ ህዝቢ ምሽንሻንን ግን ብ’ቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለጹ ጭቡጥ ምኽንያታት ዘየዋፅእ ስለዝኾነ ቅቡል ገይርካ ኣይውሰድን ጥራይ ዘይኮነስ ብስሩውን ኣንፃር እትዮጵያ ዝግበር ጎስጓስ መውቅዒ ህዝቢ ትግራይ ከይኸውን ምስትውዓል ይግባእ። ቕድሚ ኩሉ ኣገዳሲ ተገይሩ ክርአ ዘለዎ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት (ኩሎም ብሄራት ኤርትራን ትግራይን) ሰላማዊ ርክባት ክህሉው ምስራሕ እዩ። ድሕሪኡ ድማ እቲ ሰላማዊ ኩነታት ዘምፅኦ ዕድላት እንተሃሊዩ እንካን ሃባን ዝበሃለሉ ሃዋህው ምፍጣር ይከኣል እዩ። ረብሓ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘሎ ትግራዋይ ንምርግጋፅ ከምቲ ብኤርትራ ወገን ዝበሃል ዘሎ ሃገራት ኣፍሪስካ ሓዱሽ ሃገር ክንፈጥር ናይ ግድን ኣይኮነን። ሰላምን ሕድገታትን ምፍጣር ንኹሉ መልሲ ስለዝህብ ኣብዚ እንተተሰርሐ ጥራይ እዩ ትኽክል ዝኸውን። ኣብዚ ዘለናሉ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ዘዋጽኦ ኣፍቲ ዘለዎ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ መስርሕ ከም ቐደሙ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ናተቓለሰ እዋናዊን ዘላቒን ረብሕኡን ንምርግጋጽ እንተተቓለስ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ሓወይ ኢኻ፣ ናተይ ኢኻ፣ ኣብ ሓደ መኣዲ ኮይና ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ስርዓት ዘለዋ ሃገር ፈጢርና ክንቕጽል ኢና ምስ ዝብሎን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕገመንግስቲ ምስ ዝነብር ዘሎን ህዝቢ እዩ ክነብር ዘለዎ። ኤርትራዊያን’ውን ረብሕኦም ተሰቊሩዎም ብሓባር ክነብሩ እንተመጺኦም ግርም ኢልና ክንቅበሎምን ክነመቻችወሎምን እዩ ዘለና።

ኣብ መወዳእታ ከስምረሉ ዝደሊ፡ እቲ እቲ ብተኸተልቲ ብሄር ኣግኣዚያን ብዙሕ ጊዜ ከም ስግኣት ዝለዓል ናይ ኣምሓራ ትምክሕቲን ናይ ካልኦት ተፃብኦታትን እዩ። እዞም ንሪኦም ዘለና ሽግራት እቲ ፌደራል ስርዓት ሱር ንኽሰደድን ክጥንክርን ብምግባር ዊዒሉ ሓዲሩ ዘላቒ ፍታሕ ዝምፅእ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እዚ ዘለና ድኹም ፌደራል ስርዓት ብዝፈጠሮ ኩነታት’ኳስ ሓይሊ ትምክሕቲን ካልኦት ተፃባእቲን ካብ ክልሎም ሰጊሮም ሓንቲ ነገር ክገብሩ ከምዘይኣኽኣሎም ዓሚ ኣብ ጎንደር ተራእዩ እዩ። ንሱ ከምዘሎ ኮይኑ ክልላት’ውን እዚ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዝሃቦም ፖለቲካዊ ስልጣንን ዝፈጠረሎም ናይ ምልማዕ ዕድልን በቐሊሉ ተሃንዲዱ ንዝመጽአ ጎባጢ ትምክሕተኛ ኣሜን ኢሎም ከረክቡ እዮም ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። ኣሽንኳይ ደጋዊ ሓይሊ ንኢህወዴግ እውን ኣይህቡዎን። ኣብዚ ቐረባ ርእሰ ም/ር ክልል ሱማሌ ”በፌዴራሊዝሙ ህልውና ላይ የሚነሳን ጥያቄ እንደማንቀበል ነው። ፌዴራሊዝሙን ለመቀልበስ ከተሞከረ የመጀመሪያው የመልስ ጥይት በሶማሌ ክልል ነው የሚጀምረው። ይህንን ብቻ ነው እንድታውቁልኝ የምፈልገው” ኢሎም ዝተብሃለ ሓቂ እንተኾይኑ (ምባሎም ኣይተረጋገፀን) እቲ ስርዓት ክንደየናይ ዝተኣማምን ናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ መርእያ እዩ። ከምዚ ዓይነት ስምዒትን እምነትን ኣብ ካልኦት ክልላትውን ዝርአ ነገር እዩ። እዙይ ግና ኣብ ፌደራል ትካላት ዘሎ ናይ ብሄርን ክልላትን ውክልና ዘይምምጥጣን ዝተሓሳስብ ምዃኑ ተይረሳዕና ማለት እዩ። እቲ ብሓድነት ሽም ንኹሉ ክግብት ዝደሊ ዘሎ ሓይሊ ትምክሕቲን ፀረ ብዙሕነትን ዝጥቀመለን ዘሎ ክፉታት ምሽጋት ናይ ፌደራል ትካላት ስለዝኾነ ንሰን ካብዚ ሓይሊ እዚ ነፃ ኣውፂእኻ ከም ሃገሩ ማዕረ ክኸውን ንምግባርን ቐፃሊ ቓልሲ የድሊ።

ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓይሊ ትምክሕቲ ኣሸቑሪሩካን ተስፋ ኣቑሪጹካን ብሓባር ናይ ምንባር ዕድል የለን ናብ ዝብል መደምደምታ ምብፃሕ እቲ ውሽጣዊ ኩነታትና ብኣግባብ ዘይምርዳእ እዩ። ንሱ ከምዘሎ ኮይኑ ኣቦ ሓጎታትካ ዝሰረቱዋን ማእለያ ዘይብሉ ሂወትን ንብረትን ከፊሎም ዘፅንሑዋ ገዛኻ ገዲፍካሎም ክትከይድ ገዚፍ ታሪኻዊ ስሕተት ጥራይ ዘይኮነስ ኣፍቲ ትኸዶ’ውን ዝበለጸ ሰላምን ርግዓትን ከምትረክብ ዝኾነ ውሕስና ከም ዘይብልካ ምርዳእ የድሊ። ብስሩውን ኢትዮጵያ ተበቲና ብሰላም ክነብር እየ ኢሉ ዝሓስብ እንተሃሊዩ ናይቲ ዞባ ኩነታት ዘይርዳእ ጥራይ እዩ። እሞ እምበኣር ዘላቒ ወሓስናና ናይ ሕጊ ልዕልና ዝወነነ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ካብ ምጥንኻርን ብዝግባእ ለሚዕኻ ናብ ዝለዓለ ቑጠባዊ ብርኪ ካብ ምብፃሕን ጥራይ እዩ ዝፍልፍል እምበር ሓዱሽ መልከኣ ምድራዊን ናይ ህዝቢ ምትሕንፋጽን ካሊእ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ውስብስብነትን ሕዱር ሽግርን ሒዙ ንኽመጽእ ዕድል ምኽፋት እዩ ዝኸውን። እቲ ዘሎ ኣይሰላም ኣይ ውግእ ኩነታት ናብ መፈጸምትኡ ንምብፃሕን ናይ ህዝቢታት ርክብ ናብ ንቡር ምምላስን ግን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቐዳምነት ተዋሂቡዎ ክስርሐሉ ይግባእ። ኣብ ነገርና ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ እንተደሊዮም ግና ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ምስቲ ሓዎም ተመኻኺሮም ሓቢሮም ናብ ዝጥቀሙሉ መኣዲ ክኣትዎ ክነተባብዖም ይግባእ። ቀደሙ’ውን ምንፃል በይኑ እቲ ዝድለ ጥዑይ ስርዓት ከምፅእ ውሕስና ከምዘይኮነ ካብ ኤርትራዊያን ንላዕሊ ዘረጋገጾ የለን። ብዝተረፈ ካብ ኣብ ኢድ ዘየለ ነገር ኣብ ኢድና ጨቢጥናዮ ዘለና ዕድል ተጠቒምና ናይ ቐፃሊ ፖለቲካዊን ማህበረ-ቑጠባዊ ሂወት ህዝብና ዝውሕስ ነገር ሎሚ እነተንገበር ምሓሸ ይብል። 

ርሑስ በዓል ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ህዝቢ ትግራይ!