ዓሚ በዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ኣብ ጎንደርን ከባቢኡን ዝነብሩ ተጋሩ፡ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ በደል በፂሕዎም ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ብርክት ዝበሉ ተቐቲሎም፣ ንብረቶም ተወሪሱ፣ ገዝኦም ተቓፂሉ፣ ብዘስደምም መልክዑ ተበሳቢሶም፣ ልዕሊ 11 ሽሕ ተፈናቒሎም ወዘተ። እዙይ እንትኸውን መንግስቲ እቲ ኽልል (ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ) ኮፍ ኢሉ እነረኣየ እዩ፤ በቢብርኩ ዘለዉ ኣካላት ፀፅታ ክልል ኣምሓራ ንቲ ነገር ጠጠው ከብልዎ እናተገበኦም፤ ጠጠው ከብሉስ ይትረፍ የጋድዱን የተሓባብሩን ምንባሮም ህዝቢ ምስክር እዩ።

ኣካላት መንግስቲን ተሓባበርቶምን ዓመፀኛታት/ወረበላታት ካብ ዘይፍለጥ ከባቢ ብመኪነኦም ፅዒኖም እንዳምፅኡ ከበሳብሱ ይገብሩ ምንባሮም ኣብ ገለ ከባብታት ከይደ ካብ ህዝቢ ዝረኸብክዎ መረዳእታ እዩ። እዙይ ዝገብር ዝነበረ ወይ እዙይ እንዳኾነ ኮፍ ኢሉ ዝርኢ ዝነበረ በቢደረጅኡ ዘሎ ኣካል መንግስቲ ወይ ከኣ ንቲ ክልል ዝመርሕ ዘሎ ላዕለዋይ መሪሕነት ግን ክሕተት ኣይረኣናን፤ ዝገበረ ገይሩ ብሰላም በርጠጥ እንዳበለ እዩ ድላዩ ዝገብር ዘሎ። ህዝቢ ከም ህዝቢ እናተበደለ ስቕ ኢሉ ዝርኢ መንግስቲ ከመይ ኢሉ ህዝባዊ መንግስቲ ይበሃል? ሽፍታ ክበሃል እንተኾነ እምበር? ሽፍታ ዝሓተት መንግስቲ እውን የብልናን ዝኒሀና ማለት እኮ እዩ።

 እዚ ኩሉ ተገይሩ ክሳብ ሐዚ ግን እዚ ንምንታይ ኮይኑ? ከመይ ተፈፂሙ? መን ፈፂምዎ? መን እዩ በዳሊ መን ከ ተበዳሊ? ዝበደለ እንታይ ይገበር? ዝተበደለ ኸ እንታይ ይከሓስ? ኢሉ ዝበለ የለን። መንግስቲ ከም መንግስቲ (ናይ ክልል ይኹን ፌደራል) እዙይ ክገብር ይግበኦ ነይሩ ግን ኣይገበረን፤ ምኽንያቱ ናይ ዓድና መንግስቲ ጠያቒ ዘይብሉ መንግስቲ ስለ ዝኾነ እዩ። መንግስቲ እዙይ ኣብ ከክንዲ ምግባሩ እቲ ነገረ ንክርሳዕ ላሕ ዝብል ዘሎ ይመስል። ከመይ ኢሉ እሞ ክርሳዕ? ዝበደለ እንተረስዐ ዝተበደለ መዓዝ ይርስዕ? ኩሉ ነናይ ኢዱ እንተዘይረኺቡ ከመይ እልካ ይርሳዕ?

እቲ ኩነታት ከምዙይ እነሃለወ እዩ እምበኣር ካብ ክልላት  ኣምሓራን ትግራይን “ዝተወከሉ” ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ኩነታት ክልቲኡ ህዝቢ ኣመልኪቶም  ኣብ ከተማ መቐለ ንክልተ መዓልቲ ዝዘተዩ። ሰላምና ተዘሪጉ እዩ እሞ ከመይ ነዕርዮ? ኣብ ልዕሊ ተጋሩ መጥቃዕቲ በፂሑ እዩ እዙይ ዳግም ከይኽሰት እንታይ ንግበር ኢልካ ምዝታዩ ፅቡቕ እምበር ነውሪ የብሉን። ዕርቅን ዘተን እኮ ንቡርን ክኾን ዘለዎን እዩ፤ ብባህልና እውን ክቡር እዩ፤ ግን መዓዝ ከመይ እዩ ዕርቅን ዘተን ዝግበር? ክፍለጥ ኣለዎ።  እዙይ ዝኸውን  መጀመርታ ክመላእ ዝግበኦ ነገር ምስተማለአ እዩ፤ ከመኡ ተዘይ ኮይኑ እቲ ዘተ ቁስሊ ምትሕኻኽ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ መምፅኢ ክኾን ኣይኽእልን።

ብስሩ እዚ ዘተ እዙይ መን እዩ ኣበጊስዎ? መን እዩ ኣተሓባቢርዎ ዝብል ክምለስ ዝግበኦ እዩ። መራሕቲ መድረኽ እቲ ዘተ ብዓበይቲ ዓዲ ክልቲኡ ክልላት ከም ዝተበገሰን ዝኾነን ይዛረቡ ነይሮም። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዘረባ ዝገበሩ ርእሰ ምምሕዳር ክልልና ኣቶ ኣባይ ወልዱ ብወከልቲ ክልቲኡ ክልል ከምዝኾነ ተዛሪቦም እዮም፤ እዙይ ግን ክኾን ኣይኽእልም ምናልባት ብግዱሳት ኣከላት ወይ ግድሳት ዓበይቲ ዓዲ ሽማግለታት ክበሃል ይኽእል ይኾን፤ እምበር ህዝቢ እማ ኣይወከለን። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ግን ኣብ ዘረበኦም ንዚ መድረኽ ዘተሓባበረን ብኸምዙይ ምዕሩግ ኮይኑ ክሳለጥ ዝገበረን መንግስቲ ክልል ትግራይ የመስግን ኢሎም እዮም፤ ስለዚ እዚ መድረኽ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ እዩ ተሳሊጡ ክንብሎ ንኽእል። እሞ መንግስቲ ክልል ትግራይ እዚ ከምዙይ ዝበለ ዋሎ ዝኾነ መድረኽ ካብ ዘሳልጥ መጀመርታ እቲ ክኾን ዘለዎ ዘይገበረ እንታይ ኮይኑ? ክንሓትት ኣለና ዝሰምዐና እንተረኺብናስ።

ስለዚ እቲ ምይይጥ ክኸውን ዝነበሮ፤ ኣብቲ ዝቕፅል ጎንደር ዝካየድ ዝተበሃለ እውን ክርአ ዘለዎ፡ ዓሚ ዘጋጠመ ነገር፦

  ቀዳማይ፡ እንታይ ኣብ መን ጉድኣት ኣብፂሑ? እቲ ጉድኣት ብዝርዝር ምቕማጥ፤ እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ኣካላት እንታይ መከሓሓሲ ነገር ይገበረሎም? ዝብል ምርኣይ።

   ካልኣይ፡ ናይቲ ዝተፈጠረ ፀገም ምንጪ እንታይ እዩ ወይ መን እዩ? ንምንታይ ከምኡ ኣጋጢሙ? ዝብል ምርኣይ።

   ሳልሳይ፡ ኣብዚ ዝተፈጠረ ፀገምን ዝበፅሐ ጉድኣትን ተሓታቲ መን እዩ? ብኸመይ ክሕተት ኣለዎ? ወዘተ ዝብል ምርኣይ።

ራብዓይ፡ እዙይ ኩሉ በደል እናተፈፀመ መንግስቲ ኣበይ ነይሩ? ንምንታይ ክቆፃፀሮ ዘይፈተነ?

ሓምሻይ፡ ከምዙይ ዝበለ ኣፀያፊ ነገር ዳግም ከይፍጠር እንታይ ክግበር ኣለዎ? ኢልካ መሰረታዊን ዘላቕን መፍትሒ ምቕማጥ።

ከምዙይ እንተዘይኮይኑ ተኣኪብካ ህዝብ ትግራይን ህዝቢ ኣምሓራን ኣሕዋት እዮም ምባል ምንም ትርጉም ዘለዋ ኣይኮነትን። እዙይ ክመፅእ ዘለዎ፤ “ንሕና ኣሕዋት ኢና፣ ተዋሲብና ኢና፣ ደቂ ሓደ ዓዲ ኢና  ወዘተ” ዝብል ኣይኮነን። እዙይ ድኣ ፍሉጥ እንደኣሉ፤ እንታይ ምዝታይ ኣድልይዎ? ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኣምሓራን ዘሎ ናይ ዘርኢን ደምን ምትእስሳር፤ ናይ ታሪክ ምትእስሳር፣ ደቂ ሓደ ዓዲ ምዃን ዘይፈልጥ ሰብ ኣሎ ድዩ ኾይኑ? እዙይ እኮ ፍሉጥን ቅቡልን እዩ።

እቲ መድረኽ ብቓፃሊ ድማ ኣብ ጎንደር ክግበር እዩ ተባሂሉ ኣሎ፤ ኣቶ ገዱ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ ዘረባ ከም ዝገለፅዎ። እሞ እዚ መድረኽ ሐዚ እውን እዘን ንብለን ዘለና ነገራት ከይተረኣያ ናብ ዘተየ ገለ መለየ ምኻድ ቅብሉነት የብሉን ንብል ኣለና።

እሞ ንሕና ክንገብሮ ዝግበአና ዝመስለኒ፡ ናይቲ ፀገም ምንጪ እንታይ እዩ ይነፀረልና፤ ዝበፅሐ በደልን ጉድኣትን ይነፀረልና፤ ጉድኣትን በደልን ዘበፀሐልና ኣካል ይተሓተተልና ወዘተ ኢና ክንብል ዘለና። መራሕቲና እዙይ ክገብሩ ክንሓትት፤ እዙይ ዘይገበሩ ምስ ዝተርፉ ድማ እንተወሓደ ንሶም ጌጋ ምዃኖም ገሊፅና ብናይ ባዕልና መንገዲን ዓቕምን እቲ ዝበፅሐ ፀገም፣ ምንጪ ናይቲ ፀገም፣ ተሓታቲ ክኸውን ዘለዎ ኣካል ንነፀር እሞ፤ ብቐፃሊ ከመይ ክኽየድ ኣለዎ ከምዙይ ዝበለ ፀገም ንከይጋጥም ዝብል ድማ ነቐምጥ።

ብዝረኸብናዮ መድረኽን ሚድያን እዙይ ንግለፅ፤ ካብኡ ሓሊፉ ከምዙይ ኢልካ ምኻድ ስለ ዘይግባእ መድረኻት ፈጢርና እውን ዘላቒ መፍትሒ ዝመፀሉ መንገዲ ንፅረግ/ነመዓራሪ እየ ዝብል በወገነይ።

እቲ ክኾን ዝነበሮ እዙይ ኮይኑ ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ኩነታት እንትንድህስስ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ሰባት እቲ ክልዓል ዝግበኦ ኣልዒሎም እዮብፍላይ ናይ እኒ ኣቦይ ስብሓት ዘረባ ንቲ ሓቂን ክበሃል ዝግበኦን ብተሪር ኣገላልፃ ዘቐመጠ እዩ ነይሩ። ዘረባ ኣቦይ ስብሓት ቃል ብቀል እንታይ ይብል ከም ዝነበረ ክነቕርበልኩም “ …… የትግራይ ተወላጆች ከኣማራ ክልል መባረር የብአዴን ጥፋት ነው። ተጠያቂ እኔ ብአዴን ነው ነው የምለው። ሌላ ሰይጣን አልመጣም። አሁን የውጪ ሻዕብያ ወይ ደግሞ ሶሻል ሚድያ ምናምን አልልም። ብአዴን ነው መንስኤው።  ብአዴን እንደሱ እንዲሆን ማን ፈቀደለት? ቢባል ኢህዴግ ። ኢህአዴግ ማለት TPLF ፣ዲሄዴን ፡ OPDO። OPDo ከተበላሸ ደግሞ ኢህደግ መጀመርያ ተጠያቂ ይሆናል። TPLF ከተበላሸ ተጠያቂ መጀመርያ ኢህደግ ይሆናል። ስለሆነም መንስኤው ማወቅ ፡ በትረት ማወቅ ፡ INTERNAL  ማድረግ ነወ መፍትሄው።  ሰለዚህ እናተው የህዝብ ተወካዮች በደንብ እንድታዉቁት እንድትገነዘቡት፤ ምክንያቱ ማቆያ ሰለሆናቹ በሕገ መንግስቱ በኢህወዴግ ፕሮግራም መፈጠር ያላቸው ድርጅቶች ሓይሎች በየፈርጃቸው እስኪደራጁ ይሄ ትልቅ ማቆያ ስለ ሆነ ወደ ሌሎች ክልሎች መዛመት ያለበት  መድሀኒት ስለ ሆነ መፍትሄውን እየተገነዘባቹ ብትሄዱ። ጫፍ ጫፉ ተነስቷል።ይሄም እናንተም ሽማግሌዎች በደንብ እንድትገነዘቡት ኣስፍታቹ ብታዩት ጠቃሚ ይሆናል።  ....... መንስኤውን ሳንረዳ ብንቀር እንደሚደገም እርግጠኛ ነኝ። ካጋጠመ ደግሞ ይሄ በትልቅ ዋጋ  የተፈጠረ አንድነት አይሸረሸረም አይባልም። …..ውሳኔው ደግሞ አሁን ከምትቸኩሉ ውሳኔው ረጋ ብሎ ወደ ሚመለከተው አስቸኳይነቱ ተጠቅሶ ውጤት እንጠብቃለን ተብሎ ወደ ሚመለከተው መፍትሄ ስለሚሆን ታላቅ ጀግንነት ባላበት ምህረተ ቢስ በሆነ ውሳኔ ቢተላለፍ ጥሩ ነው እላለሁ።  አንድ ጓዲት ድህነት ጠላታችነ ነው ብላለች። ሁሉም ያለ ይመሰለኛል። ድህነት ጠላትም አይደለም ፣ ወዳጀም ኣይደለም። ግኡዝ ነው። ሬሳ ነው። ፈጣሪው ነው ጠላት። ድህነት የፈጠረ ጠበቡም ፡ ትምክህተኛውም ፡  ክራይ ሰብሳቢውም ፡ መልካም አስተደደር የመይቀበለውም ድህንነት ጠላታችን ነው የሚለው መደበቅያ ነው። ጠላቱ እንዳይታይ። ስለሆነም ድህነት አንድ ውላጅ ነው የተፈጠረው  ለመደበቅያ ባንጠጋ።” ኢሉ ኣቦይ ስብሓት።

ካለኦት እውን ብዙሓት ክኾን ዘለዎ ዝገልፁ ነይሮም። ኣብነት ሓንቲ ካብ ኣለማጣ ዝመፃ ወላዲት “ብምንታይ ትግራዋይ ይጭፍጨፍ? ንምንታይ ኢና ንጭፍጨፍ? ንሕና ንኹሉ ኢና ተቓሊስና፤ ህዝቢ ብሓባር እዩ ተቓሊሱ፤ ህዝቢ ክጨፋጨፍ ኣይደልን። ብሰበሰልጣን ዝግበር ዘሎ እዩ፤ ስልጣን ንምንዋሕ ዝግበር እዩ እዙይ፣ እንድሕር ብፅቡቕ ዘይትመርሑ ግደፍሉና። ደቅና ኣምሂርና ኢና፤ ኣምሂርና ሃገር ዝመርሑ ቆልዑ ኣፍሪና ኢና፣ ሰላም ዝፈልጡ ክለምዑ ዝደልዩ መንኣሰይ ወሊድና ኢና ግደፉ ኣንብሩና ኣስርሑና፣ ጓለይ ይሰይፊኒ ኢላ ኣብ ኣምሓራ ኣላ፤ እዙይ ናይ ስልጣን ነገር እዩ፣ ብሓደ ገፅ ፀረ  ስረዓት እዮም ዝርብሹ ዘለው ትብሉ ብሓደ ገፅ ደምበር ትበሉ እዙይ እንታይ እዩ? ጌጋ እኒሀ ኢሉ እካ ነቐፈይታ ዘልዐለ ሰብ የለን፤ ብደንበር ምክንያት ኣይንግበር፣ ደንበር ኣይፈለናን ክንቃለስ ከላና፣ ብሄር ኣይፈለናን ክንቃለስ ተለና፣ ንሰላምን ልምዓትን ህዝብታት ኢና ዝተቓለስና፤ ሐዚ እውን ንሰላም ንቃለስ።”

“…ፃዕራም ህዝቢ ትገራይ እንታይ እዩ ገይሩ? እምኒ ፈንቂሉ ዝነበር ህዝቢ በቱይ በቱይ ዝፅረፍ፣ ኣብ ደገ ዘለው ናብረኦም መድፍኢ እዮም ገይረሞ፤ ንህዝቢ ትግራይ አናተፃረፉ ናብረኦም ይደፍኡ፤ ታይ እዩ ገይሩ ዝህዝቢ?”

“ጣን እብር መሬት ኣይኮነን ዘበኣሰና ዘሎ”፤ “… ኣቲ ገዱ ክንማየጥ ተበልናካ ኣቢኻና” “ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ብሰንኪ ሕማቓት መራሕትና ግፍዕን መሕፈርን ተግባር ተፈፂሙ፡፡ እቲ ተግባር ብቐንዱ  ናይ  መራሕቲ ብአዴን እዩ፡፡ እቲ ኩሉ ጉድ እንትፍፀም፣ ንሕና እንትነእዊ እኮ መንግስቲ ኣምሓራ ገዝኡ ዓፅዩ ስቕ ዶ ኣይበልን እዩ?ናብዛ ጉባኤ እንትንመፅእ ባዕሉ እኳስ እስኪ ብሰላም እንተተመሊስኩምስ ኪዱ ዝበሉና ኣምራርሓ ኣለዉ፤ ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ፍቕሪ፣ ደላዪ ሓድነትን ሰላምን ምዃኑ በቲ ሕዚ ዝገበረልና አቀባብላ ጥራሕ ምምስካር ይክኣል እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንቑሕ ህዝቢ እዩ፡፡  ” ፤  ካብ ኣመሓራ ዝመፁ ተወከልቲ ካብ ዝተዛረብዎ።

ፕሮፌሰር ፈቴን ካብ ዝበለቶ ድማ “ትልቅ ስህተት ተሰርተዋል ብላቹ እመኑ፣ የትግራይ ህዝብ በቀል ኣላረገም  ኣመስግኑ፣ እኛ ኣማራ ክልል ህደን እየሰራን ነው እንደ ተመራማሪዎች ኣገራችን ነው ብለን፣ …ፖለቲካዉ ኣበረን እንዲኒሰራ ያመቻች፣ ትላለቅ ሰዎች ሁነን ስለ ኣፍሪካ ማሰብ እያለብን ሰሜን ኢትዮጵያ ያላው ነገርበጋራ ማሰብ እንዴት ያቅተናል?፣ እንስራበት ባካቹ፣ ኣማራ ክልል ሂጀ መሳቀቅ የለብኝም፣ ሱዳናውያን እህታችን እያሉኝ ኣማራ ክልል ሂጀ ስሳቀቅ ያሳፍራል፣ እባክህ ኣቶ ገዱ ኣግዘን”

ካብ ወልቃይት ዝመፁ ተሳተፊ ድማ “ኣብ ጎንደር ኮይኖም ዝዛረቡ ኣይንሰምዕን፣ ንምንታይ ከ እዩ ጎንደረ ኮይኖም ንዓና ዝዛረብሉና ዝደርፉልና፣ ካባና ንላዕሊ ንዓና ክሓልዩልና ኣይኽእሉን፤ ካባካ ንላዕሊ ኣነ ንዓኻ ይሓስበልካ እየ ዶ ይበሃል እዩ? ብስሩ ኸ ጎንደር እንታይ ኮይኑ እዩ ንዝስርዓት የማርር? ጎንደር ዶ ኣይኮነን ብደርጊ ብለማልሞ ዝጎሓፍ ዝነበረ ንምንታይ እዩ ሐዚ ኣብዚ ስርዓት ዝዛረብ ዘሎ?”

ከምዙይ ዝበሉ ጥንኩራት ሓሳባት እኳ ዝነበሩ እንተኾኑ ብገለ ተሳተፍቲ ዝተለዓሉ ከም “ ናይ መንነት ሕቶ ይመለስ፣ ናይ ደንበር ሕቶ ይመለስ፣ ኣብ ኣላማጣ ዘሎ መከፋፈሊ መብራህቲ ሓይሊ ንምንታይ ኣብኡ ኮይኑ፣ ትግራዋይ ኣይተበረረን፣ ናይ ደገ ሓይልታት ፀገም እዩ ወዘተ” ዝብሉ ቀይናን ርዲኢታት እውን ነይሮም እዮም። ብፍላይ ድማ ሙሁር ተባሂሉ ታሪኽ ክልቲኡ ህዝቢታት ዘቕረበ ውልቀ ሰብ ብትኹረት ተራእዩ መአረምታ ክወሃቦ ዝግባእ እዩ።  ዝበዝሑ ኣብቲ መድረኽ እኳ መእረምታ ዝተወሃቦም እንተኾነ ንድሕሪ ሐዚ እውን ክትትልን መአረምታን ዘድልዮም ኣረኣእየታት እዮም።

መራሕቲ ክልቲኡ ክልል እውን ብናተይ ትዕዝብቲ ንቲ ነገር ንምሽፍፋን እዮም ፈቲኖም።  ኣቶ ኣባይ ወሉ  “ ክልቲኦም ህዝብታት ኣሕዋት ምዃኖም ደቂ ሓደ ዓዲ ምዃኖም፣ ብሓባር ዝተቓለሱ ምዃኖም፣ ትምክሕትን ፀበብትን እዮም ኣባኢሶምና ሓቢርና ንመክቶም፣ ሓቢርና ነልማዕ ልምዓት እዩ ደሌትና ኩላትና፣ ወዘተ“ እዩ ኢሉ እምበር ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምንም ኣይበለን። ኣቶ ገዱ ድማ ብተመሳሳሊ  “ ክልቲኦም ህዝብታት ሓቢሮም ሕማቕን ፅቡቕን ዘሕለፉ እዮም፣ ክብርን ላዕላውነትን ሃገር ንምሕላው ተቓሊሶም፣  ብደምን ዓፅምን ዝተኣሳሰረ እዩ” ኢሎም፤ ብዝገደደ ድማ እቲ ጉዳይ ናብ ካሊእ ኣጀንዳ ወሲዶም “ ትክክለኛ መረጃ እንዲኖር ጥላቻ ኣለመዝራት፣ በዚህ ኣገር  የጥላቻ ፖለቲካ ኣለ፣ ኣንዱን ከፍ ኣንዱን ዝቅ የሚረግ ኣለ በሃገራችን ፖለቲካ፣ ከሁለቱም ህዝቦች የሁለቱም ህዝቦች ጠበቃ መስለው የሚሰሩ፣ ለምሳሌ የማህበራዊ ሚድያዊ ሚድያ፣ ቀጣዩ ጎንደር ላይ ይካሀሬዳል “ ታይዶስ ከመይ ዶስ ኢሎም ካሊእ ሕቶ እዮም ኣልዒሎም፤ እታ ዝተለመደት “….” ልዕልነት ማለት እዩ። ፀገም ከይለግቦም እዮም ከንጥርዋ ፈቲኖም።

ብዝኾነ ብቐፃሊ ከመይ ክግበር ኣለዎ ዝብል እቲ ልዕል ኢልና ዘቐመጥናዮ ሓሳብ ንሓዝ እሞ፤ ንሓበሬታኹም ግን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝቐረበ ናይ ቅዋም መግለፂ ከም ዘለዎ ክነቕርበልኩም።

የአማራና ትግራይ ህዝቦች የምክክር መድረክ አቋም መግለጫ፡-

በዚሀ መድረክ በሁሉቱም ህዝቦች የአገር ሽማግሌዎች መነሻ ሓሳብ በተለያዩ ሙሁራንና ነባር ታጋዮች ሁለት ፅሑፎች ቀርበዋል፡፡

  • የትግራይና አማራ ህዝቦች አብሮ የመኖር ወርቃማ እሴቶችና ታሪካዊ ዳራቸው፣
  • የዲሞክራቲክ ብሄርተኝነት ግንባታና የፌደራል ስርዓት አስፈላጊነት በኢትዮጵያ የሚሉ ፅሑፎች ተወያይተን የሚከተሉት ባለ 11 ነጥቦች የጋራ የአቋም መግለጫ አውጥተናል፡፡

1. እኛ የአማራና ትግራይ ህዝቦች ለዘመናት የተገነባው ያለን የደም፣የባህል፣የታሪክ፣የቋንቋና ሃይማኖት ትስስር ይበልጥ እንዲጠናከር፣ለቀጣይ ትውልዶች በሚገባ እንዲተላለፍ ጠንክረን ለመስራት በጋራ ቃል እንገባለን፡፡

2. እኛ የትግራይና የአማራ ህዝቦች ከሁሉም የአገራችን ብሄር-ብሄረሰቦችና ህዝቦች በመተባበር በጠንካራ ዲሞክራቲክ ብሄርተኝነት የተገነባ አንድነት እንዲፈጠርና ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓታችን እንዲጠናከር በፅናት በጋራ እንሰራለን፡፡

3. አገራችን ወደነበረችበት የስልጣኔ ማማ ለማድረስ የተነደፈው የህዳሴ ጉዞ ለማሳካት ሁሉም እንቅፋቶች እየታገልን ዘላቂ ሰላም፣ፈጣንና ቀጣይነት ያለው ማህበረ-ኢኮኖሚያዊ ልማትና ዋስትና ያለው ዲሞክራሲ ለመገንባት ቃል እንገባለን፡፡

4. አንድነታችንና እድገታችን የሚገቱ የወቅቱ የፀረ-ሰላም ሃይሎች ዋነኞች አጀንዳዎች የሆኑት የትምክህት፣ጠባብ ብሄርተኝነትና ሃይማኖት ሽፋን ያደረገ ፅንፈኝነት የፀረ- ዲሞክራሲና ኪራይ ሰብሳቢነት ዋነኛ መገለጫዎች በመሆናቸው በፅናትና ቁርጠኝነት ለመዋጋት ቃል እንገባለን፡፡

5. በትግራይና አማራ ክልል ህዝቦች አዋሳኝ አካባቢዎች የሚነሱ የአስተዳደር ወሰን ጥያቄዎች ሕገ-መንግስታችን ባስቀመጠው አቅጣጫ ተከትሎ በውይይትና ወንድማማችነት መንፈስ ዕልባት እንዲያገኝ በጋራ እንጠይቃለን፡፡

6. በሕገ-መንግስታችን የሰፈሩት የህዝቦችና ዜጎች የመንቀሳቀስ መብት፣ ሰርቶ የመበልፀግና ሃብት የማፍራት መብት፣ በሂወት የመኖርና የአካል ደህንነት መብቶች ያላንዳች ገደብና ቅድመ ሁኔታ በጥብቅ እንዲከበሩ ከሚመለከታቸው የህግና-ፍትህ አካላት ተባብረን በፅናት ለመስራት ቃል እንገባለን፡፡

7. እኛ የአማራና ትግራይ ህዝቦች ለዘመናት የኖረና ያለ ጠንካራ አንድነታችን ይበልጥ ለማጠናከር በምናደርገው ትግል የሁለቱም መሪ ድርጅቶቻችን /ህ.ወ.ሓ.ት እና ብ.አ.ዴ.ን/፣የሁለቱም ክልል መንግስታት፣ ኢ.ህ.አ.ዴ.ግና

የፌደራሉ መንግስት የሚመለከታቸው ተቋማት ሁሉ እጎናችን ሁነው የመሪነት ሚናቸው በትክክለኛ አቅጣጫ እንዲወጡና ይህን ዓላማ የሚያደናቅፉ ግለሰቦችም ይሁኑ ተቋማት እንዲያጠሩ እንዲሁም እስከ ጎንደር ኮንፈረንስ ድረስ ላለመግባባት ምክንያት የሚሆኑ በመካከለችሁ ያሉ ትግሮች ፈትታችሁ እንድትመጡ በጋራ እንጠይቃለን፡፡

8. የዚህ የጋራ መድረክ መነሻ ሃሳቦችና የውሳኔ ነጥቦች ወደ ህብረተሰቡ በተለይ ወጣቱ ትውልድ ለመገንባት ይቻል ዘንድ የሁለቱም ክልልና የፌደራል መንግስታዊ ተቋማት፣ ሃይማኖታዊ ተቋማትና ከፍተኛ የትምህርት ተቋማት አወንታዊ ሚናችሁ እንድትወጡና ቀጣይነት ያለው የግንባታ ስራዎች እንድትሰሩ በጋራ እንጠይቃለን፡፡

9. እኛ የትግራይና አማራ ህዝቦች የጀመርነው የህዳሴ ጉዞ ለማሳካት በምናደርገው እንቅስቃሴ ሁሉ ሁላችሁም የሚዲያ አካላት በመገኘት ያለምንም ብዥታና የግል ፍላጐት የሕዝቦችን ጥቅም በማስቀደም ሰላማችን፣ የልማት ስራችን ፣ የዲሞክራሲና መልካም አስተዳደር ግንባታ ሂደታችን በመንተራስ የህዝባችን አንድነት፣ መከባበርና መረዳዳት የሚያጎለብቱ የዜና ዘገባዎችና ልዩ ኘሮግራሞች በመስራትና በማስተላለፍ ህዝበዊ ሐላፊነታችሁን ትወጡ ዘንድ አጥብቀን እንጠይቃለን፡፡

10. በሁለቱም ክልሎች የምትገኙ ከፍተኛ የመንግስት የትምህርት ተቋማት /ዩኒቨርስቲዎችና ኮሎጆች/ እንደዚህ አይነት የሕዝብ ለሕዝብ ግንኙነትን የሚያጠናክሩ ተግባራትን በየተቋማቻችሁ አጀንዳ በማድረግ የሕዝቦችን አንድነት በፅኑ መሰረት ላይ እንዲገነባ በማድረግ ትሰሩ ዘንድ ጥሪያችንን እናስተላልፋለን፡፡

11. እኛ ኢትዮጵያ ብሄር፣ብሄረሰቦችና ህዝቦች በሙሉ እኛ የጋራ የፖሎቲካና ኢኮኖሚ ማ/ሰብ የመገንባት ሕገ-መንግስታዊ ቃል ኪዳናችንን አጠናክረን ሁሉንም ችግሮች በጋራ እንድንታገላቸው ጥሪ እናቀርባለን፡፡

 ዘላለማዊ ክብር ለትግሉ ሰማእታት!!

ትግራይ ሰማእታት መታሰቢያ ሐወልት አዳራሽ ሐምሌ 16/2009 ዓ.ም. መቐለ