ብ ጌታቸው ኣረጋዊ

ሐዚ ዝኒሀ ኩነታት ዓድና እንትንርኦ ጠመተ ዝደሊ ነገር እዩ። ከም ሃገር ይኹን ከም ትግራይ ብትኹረት ክረኣዩ ዝግበኦም ነገራት እንዳበዝሑ እዮም። ብርግፅ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ዋላ ውልቀ ሰብ ከይዲ ለውጢ ግድን ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ንቲ ዝህሉ ለውጢ ዝኸውን ነገር እናሐሰብካ ምኻድ ዘይተርፍ እዩ።

ሓደ ሰብ ካብ ህፃንነቱ ጀሚሩ እናዐበየ እንትኸድ በቢ ግዚኡ ዘድልይዎ ነገራት እናተለወጡ ስለ ዝኸዱ ንታ ዘላቶ ብርኪ ዕድመ ዝኸውን

Front 39 copy

ነገር ክረክብ ግድን ይኸውን፤ ገለ ገሊኡ ዕድመ ተመሳሳሊ ነገር እንዳጠለበ ንውሕ ዝበለ እዋን የድልዮ ይኾን ኣብ ገለ ድማ ዓብዪ ኣፈላላይ ስለ ዝህሉ መሰረታዊ ለውጢ የድልዮ ማለት ካብ ሓደ ብርኪ ናብ ካሊእ ይሰጋገር። ሰብ ኣብ ከይዲ ህይወቱ ናብ ሕማቕ ኣንፈት ዝወሰድ፣ ናብ ዘየድሊ ነገር ዘእቱ ከጋጥሞን ክፈታተኖን ይኽእል እዩ፤ ንዙይ ድማ ኩሉ ግዜ ክነቕሐሉን ብዝተኸኣለ ፀገማቱ እነኣረመ ናብ ፅቡቕ መንገዲ ዝወስዶ ተግባራት ክገበር ዝግበኦ እዩ።

ሕብረተሰብ እውን ከምኡ ይመስለኒ፤ በቢመድረኹ ለውጥን ዕብየትን ዘምፅኦም ጠለባት ስለ ዘለው ንዕኡ ዝምጥን ዘድልዮ ነገር ክረክብ ግድን እዩ። ንቲ ባህርያዊ ዝኾነ መድረኻዊ ለወጢ ዘዕግብ ኩነት ዘየለ እንትኾን ብፍላይ መሰረታዊ ዝኾኑ ነገራት እናሰኣነ እንትኸድ ናብ ዘየድሊ መንገዲ ምምርሑ ዘይተርፍ መዃኑ ታሪኽ ምሂሩና እዩ። ሕብረተሰብ ኣብ ቀጻሊ ለውጥን ምዕባሌን'ዩ ዝርከብ። ኣብ ሕብረተሰብ ድስካለ ማለት ምብትታንን ሞትን ማለት ስለዝኾነ ሓደ ሕብረተሰብ ክሳብ ዘሎ ናብ ዝሓሸ ወይ ዝኸፍአ፣ ናብ ቅድሚት ወይ ናብ ድሕሪት ክኸይድ ግድን'ዩ። ስለ'ዚ ለውጥን ምዕባሌን መናብርቲ ሕብረተስብ እዩ። ኩሉ ለውጢ ጠቓምን ሃናጽን ስለዘይኮነ፡ ነቲ ጎዳእን ኣሉታውን ለውጥታት ብምውጋድ ወይ ብምእላይ፡ ነቲ ጠቓምን ኣወንታውን ከኣ ብምዕዛዝን ናብ ምዕባለ ብምቕያሩን ረብሓ ሕብረተሰብ ንምቕዳም ብቑዕ ምሕደራ፣ ለውጥን ምዕብለን ምርግጋጽ የድሊ። ናብ ዘይኮነ መንገዲ ከየምርሕ እሞ ዘየድሊ ዋጋ ከይኸፍል  ኩሉ ግዜ ትኹረት የድልዮ። ኣብዚ ግዜ ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር ብእዋኑ ክእረም ዝግበኦ ዘይምእራሙ ተዋሂሊሉ ሐዚ መፍርሒ ኮይኑና ኣሎ ማለት እዩ። እሞ ዋላ እኳ ዘየቋርፅ ጠመተን ትኩርነትን ክህልወና ዝግባእ እንተነበረ፣ ማለት ኣብዙይ ክንበፅሕ ኣይነበረናን ዘብል እንተኾነ ሐዚ ‘ውን ግን ነገር ከይገደደ ቀለጢፍና ልቢ እንተይልና ኩነታት ክዕርን መንገድና ብሩህ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብርክት ዝበለ መንእሰይ (ዋላ ካሊእ ክፋል ሕብረተሰብ እውን) ንቲ ኩነታት ጠመተ የድልዮ እዩ ኢሉ ብስፍሓት ሓሳባቱ እንትገልፅ ንርኢ ኣለና፤ እዙይ ክኾን ዘለዎን ባህርያውን እዩ። መንእሰይ ኩሉ ግዜ ናይ ለውጠ ሓይሊ እዩ፤ ለውጢ ድማ ዘይተርፍ ነገር ስለ ዝኾነ ተጠንቂቕካ ናብ ዝበለፀ ሕብረተሰባዊ ረብሓ ክውዕል እዩ ክምራሕ ዘለዎ። ልውጢ ቀፃልነት ዘለዎን ክብሪ ዝውስኽን (contunity and change, value adding) ክኸውን ኣለዎ። ንዙይ ድማ ንፁር መንገዲ ሒዝካ ብውነ ክኽየድ ስለ ዘለዎ ከመይ ኢና ክንገብር ዘለና ዝብል ብውነ ክንማየጠሉ ዝግባእ እዩ።

እሞ ኣብዚ ፅሑፍ ብወገነይ ክበሎ ዝደሊ ነገር እንተሃለወ፤  እቲ ዝኒሀ ኩነታት ዓድና ካብ ኩላትና ፍሉይ ጠመተን ጥንኩር ተሳትፎን ዘድልዮ እዩ እሞ ከመይ እንተገበርና ይሓይሽ? ወይ ኣብ ኩነታት ዓድና እንታይ ንግበር?  ኣካይዳና እንታይ ይምሰል? ንዝብል ከም መበገሲ ዝኸውን ብቐፃልነት እንማየጠሉን (ኣብዚ መፅሄት ውራይና ይኹን ኣብ ካሊእ መድረኻት) ብፅሑፍን ብኽትዕን ዝረጉድን ዝበስልን ሓሳባት ንምልዓል እዩ። እንታይ ንግበር እንትብል ብመፅናዕትን ምርምርን ዝበሰለን ዝተወደአን ሓሳብ ሒዘ ዘይኮነስ ካብቲ ዘሎ ኩነታት ተዓዚበ እየ ብሓፂሩ ክነተኣታትዎም ዝግባእ፣ ክነማዕበሎም ዝግባእ ከምኡ እውን ክእረሙን ክስተካኸሉን ዝግበኦም ነገራት  ትንከፍ ትንክፍ ከብል።

ከም ኣቀራርባ 1) መጀመርታ ኣብ ኩነታት/ጉዳይ ዓድናን ሕብረተሰብናን የእትወና እዩ ኢልና ንበገስ፤ 2) ኩነታት ዓድናን ሕብረተሰብናን ንምርዳእን መንገድታት ንምንፃርን ዘኽእለና ንፁር ስነሓሳብ ይሃልወና፤ 3) ዘነፀርናዮ ስነ ሓሳብ መፈፀሚ ራኢ፣ ዕለማን ፕሮግራምን ነቕምጥ፤ 4) ዝተቐመጠ ራኢን ዕላማን ንምፍፃም ዘኽእለና ፖለቲካዊ ስልጣን ንምቁፅፃር ዘኽእል ውዳበ፣ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘለና ምዃኑ ነረጋግፅ ወይ ክህልወና ንግበር፤ 4) ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘለና ምንቅስቓስ ክንእርሞም ዝግበአና ነጥብታት ንኣርም፤ ክነማዕብሎም ዘለና ድማ ነማዕብል.. ወዘተ ብዝብሉ ኣርእስቲታት ከፋፊለ ከቕርቦ መሪፀ ኣለኹ። ስናይ ንባብ!!

ሀ) ኣብ ኩነታት/ጉዳይ ዓድናን ሕብረተሰብናን የእትወና እዩ ኢልና ንበገስ!

ሰብ ብተነፅሎ ኣይነብርን። ግድን ሓበራዊ ህይወት እዩ ዘለዎ። ኣብ ስድራቤት ይውለድን ይዓብን። ካብ ስድራ ቤት ድማ ናብ ከባቢን ሕብረተሰብን ይፅንበር። ካብ ስድራቤትን ሕብረተሰብን ድማ  ቋንቋ፣ ክብርታት፣ ልምድታት፣ እምነታት፣ ወግዕታት... ብሓፈሻ  ባህሊ ይመሃርን ብእኡ ይኹስኮስን። ናይ ትምህርቲ ዕድል እንትረክብ ከኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ፡ ከከምኩነታቱ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ስሩዕ ትምህርቲ ብምክትታል ፍልጠትን ክእለትን ይድልብ፤ ንባዕሉን ንዓዱን ንኸገልግል'ውን ብታሪኽን ባህልን ይኹስኮስ። ሞያ ኣጥርዩ ድማ ብስራሕ ክነባበር ይጅምር።

ሰብ ህይወቱ ብናይ ሕብረተሰቡ ወይ ዓዱ ኩነታት- መንግስቲ፣ ስርዓት፣ ሕግታት፣ ቁጠባ፣ ኣገልጉሎታት፣ ዕድል ስራሕ ወዘተ ይውሰን። ኣብ ኩነታት ዓዱ/ሃገሩ ይዋሳእ። ብግዲኡ ስድራቤት መስሪቱ ሓላፍነት ውላዱ ይስከም ወዘተ። ነዚ ኹሉ ዝምድናታት ተግባራትን'ዚ ዘመሓድር ናይ ሕብረተሰብ ባህሊ፣ ናይ መንግስቲ ሕጊ ኣሎ። ነዚ ሕብረተሰብ ብስርዓትን ርግኣትን ንኽነብርን ንኽቕጽልን ዘገልግል ባህልን ሕግታትን ዝፃረርን ዝጥሕስን እንትርከብ ድማ፡ ዝግነሐሉን ዝልዝበሉን ማሕበራዊ ቀይድታት፣ ዝቕፀዓሉን ዝእረመሉን ሕግታት ከኣ ኣሎ። ስዘሊ ሰብ ማሕበራዊ ፍጡር ብሙዃኑ ብእኩብ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ሓድሕዱ ተመርኲሱ ስለዝነብር፤  ልምድታት፣ ክብርታት፣ እምነታት፣ ኣራኣእያታት ዛንታታ፣ ሕግታት፣ ወግዕታት፣ ወዘተ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ክህልው ኣይኽእልን። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ካብ ሕብረተሰብ ወፃእ ክኾን ስለ ዘይኽእል ንቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት ነገር ይምልከቶ ኣሎ ማለት እዩ፤ ንዚ ድማ ኣብ ጉዳይ እቲ ሕብረተሰብ ምእታውን ምግዳሽን ንባዕሉ ኢሉ ክገብሮ ዝግባእ ግቡኡ ይኸውን። እሞ ባህርያዊ ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ ጉዳይ ዓድናን ሕብረተሰብናን የእትወና ስለ ዝኾነ ክንኣቱን ክንቃለስን ኣለና እንትንብገስ ቀፂለና ክንገብሮ ዝግበአና ነገር ድኣ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ? እስቲ ንቐፅል!!

ለ) ኣተሓሳስባና ነማዕበል፤ ቀፂልና ንፁር ስነ ሓሳብ ይሃልወና!!

ኣብ ጉዳይ ዓድናን ሕብረተሰብናን የእትወና እዩ እንትንብል እምበኣር መጀመርታ ክንገብሮ ዝግባእ ንበዓልትና ከም ሰብ መጠን ኣተሓሳስባና ክምዕብልን ክበስልን ምግባር እዩ። ሰብ ህይወቱን ተግባሩን ዝምራሕ ኣብ እእምርኡ ብዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ መጠን ዕምቆትን ስፍሓትን እዩ። ሰብ ክእለት ምሕሳብ ዘለዎ ፍጡር እዩ። እንትሓስብ ይሓትት፣ ይምልስ፣ የመዛዝን፣ ይግንዘብ፣ የገናዝብ፣ ይግምት፣ ይከራኸር፣ ይመራመር፣ ይትንትን፣ ይፍትሽ፣ ይፈጥር፣ ይውስን ወዘተ። እዚኦም ብኣእምርኡ ካብ ዝሰርሖም ስራሕቱ ገሊኦም እዮም። እዙይ እንትገብር ዋና ዕላምኡ ህይወት ብፅቡቕ መንገዲ ንምምራሕን ንምምዕባልን እዩ።

ፀገማት ምእላይ፣ ዕቤትን ማቻን ምምፃእ ዝከኣል ትኽክለኛን ብሱልን ብዝኾነ ኣተሓሳስባ፤ ረዚን፣ ዕምቆትን ስፍሓትን ዘለዎ ምኽንያታዊን ጠቓምን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ምሓዝ እንትከኣል እዩ። ዘይምኽንያታዊን ዘይበሰለን ኣተሓሳስባ ዕቤትን ማቻን ወዲ ሰብ ዘሰናኽል እዩ። ሰብ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ ንባዕሉ ጎይታን ባርያን ክገብር ይኽእል። ከም ክፍኣትን ተንኮልን፣ ትዕቢትን ፅለኣትን ዝበሉ ኢ- ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባታት ንባርነትን ውድቀትን ይዳርግዎ። ብግልባጡ ምኽንያታውንትን ቅንዕና ዘለዎ ኣተሓሳስባ ድማ ንወድሰብ ማቻን ዕውት ህይወትን የምፀአሉ።

ንዛ ዓለም ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ዝፈታተና ናይ ወድሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነትን ስስዐን እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ካብቶም ኣብዛ ምድሪ ዘለው ጎዳእቲ ነገራት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ስለዚ ንቐደም ኢንቨስት ክንገብረሉ ዝግበኣና ዓውዲ ኣተሓሳስባና ምህፍታም እዩ።

ከም ውለቀ ሰብ ከምቲ ዝተገለፀ እንትኾን ከም ሕብረተሰብ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ማለት ብሱል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ውልቀ ሰብ  ከም ዝርባሕ፤ ድኹም ኣተሓሳስባ  ዘለዎ ድማ ከም ዝጉዳእ ወይ ጎዳኢ ምዃኑ፤ ክምዝተረኣናዮ ሓደ ሕብረተሰብ እውን ንፁር ስነ ሓሳብ ዘለዎን ዘይብሉን ክመኣ እያ ንምባል እዩ። ስለዚ ንሓደ ህዘቢ/ ሕብረተሰብ ንቃለስ ኢና ክንብል እንተኾይና ዕላማናን ስልቲ ቃልስናን ኣካይድኡን ግልፂ ብዝኾነ ክነቕምጦ ኣለና። እዙይ ማለት ካብቲ መጀመርታ ክንገብሮ ኣለና ዝነበልናዮ ዝበሰለ ኣተሓሳስባና ዝምንፁ ንፁር ፍልስፍና/ ስነሓሳብ ክህልወና፤ ንዕኡ ድማ ብሰፊሕ፣ ክልፅን ዕምቆት ዘለዎን ክትዕ ከንብሰሎ ይግባእ። ከምዙይ እንተይገበርና ንቃለስ ኣለና፣ ንህዝብና ንግደሽ ኢና እንተበልና ህዝብና ክነደናግር እምበር ትርጉም ዘለዎ ነገር ኣይንገብርን።

ሰብ መልሲ ዝደልየሉ መሰረታዊ ሕቶታት ኣሎ። ካብቲ ዘልዕሎን ክምልሶ ዝፍትንን ሕቶታት፡-

እቲ ዝበለጸ ሕብረተሰብ ከመይ ዝበለ እዩ? ክብጻሕ ከ ይኽእል ዶ? ንሰብ ዝበቅዕ፣ ሰብ ምሉእን ኣዕጋብን ሂይወት ንኸሕልፍ ዘኽእሎ ስርዓተ- ኣነባብራ ከመይ ዝበለ’ዩ? ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊ፣ ማሕበራዊ፣ ግላዊ ሂወት ደቂሰብ ብኸመይ ክውደብን ክመሓዳደርን ይግባእ? መንፈሳውን ነገራውን ድሌታት ደቂሰብ ብኸመይ ክማልኡ ይኽእሉ? ብመሰረቱ ሰብ ኩሉ ድሌታቱ ክረውየሉ ዝኽእል ኵነት ክብፃሕ ይኽእል’ዶ? ወዘተ። ንዞም ሕቶታት ዝምልስ ስነ ሓሳብ እብኣር ክህለወና ኣለዎ። እዙይ ብኸመይ እዩ ዝመፀእ? ብኸመይ እዩ ክቕመር ዝኽእል? ዝብል እንትንሪኢ ድማ፦ መጀመርታ ንሓደ ሕብረተሰብ ብዛዕባ መበቆሉ፣ ታሪኹ፣ ልምድታቱ ወዘተ ጥርኑፍ መረዳእታ ብምሃብ፤ ካበይ ከምዝመፀን መን ምዃኑን  ምግላፅን ምርዳእን። ስለ’ዚ ኸኣ መን ምዃኑ ብምንጻር፡ ኣብ መንነቱ ከምዝተኣማመንን ኣብ ባዕሉ/ርእሱ ከም ዝምርኮስን ብምግባር፤ ፅግዕተኛነት ዘየድልዮ ናፃ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ባይታ ምጥጣሕ።

ካልኣይ - ከም ውፅኢት ታሪኹ ሕዚ ዝርከበሉ ኩነታት፣ ዘለዎ ውሽጣዊ ዓቕምታትን ድኽመታትን፣ ዕድላትን ሕፅረታትትን፣ ዝገጥሞ ብዶሆታትን ግድላትን፣ ከቢብምዎ ዝርከቡ ሓይልታትን ተፃብኦታቱንን ብምብራህ ኣበይ ከምዘሎ ምግንዛብ። በዚ ድማ ናይ ህሉው ኩነታቱን መፃኢ ኣንፈታቱን ዝሰፍሐ መረዳእታ ይህቦ። ዕማማቱ ብዓወት ንምስላጥ ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይፈጥረሉ። ብሓጺሩ ሓባራዊ መረዳእታ ይሃንጸሉ።

ሳልሳይ - ናበይ ክኸይድ ከምዝደሊን ዝግበኦን፤ ዓበይቲ ነገራት ንምምርኣይ ንኽመጣጠር፣ ህይወቱ ብቐጻሊ ንምምሕያሽን ንምህብታምን ከኣ ዓብይቲ ዕማማት ንኽፍፀም ራእይ ምንፃር። ስነ ሓሳብ ማለት እዙይ ዝገብርን ዝምልስን እዩ፣ ካሊእ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ገዛኢ ዝኾነ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ወይ ስነ ሓሳብ ክህሉ ይኽእል አዩ። ንኣብነት፦ 1) ነቲ ዘሎ ስርዓት ክዕቅብ ዝደሊ ዓቃባዊ ስነሓሳብ፣ 2) ነቲ ዘሎ ስርዓት ብውሱን ከመሓይሽ ዝደሊ ፅገናዊ ስነሓሳብ፣ 3) ነቲ ዘሎ ስርዓት ካብ መሰረቱ ኣፍሪሱ ብሓድሽ ስርዓት ክትክእ ዝደሊ ወያናይ ስነሓሳብ። ብዙይ መሰረት ናይ ቀረባ ናይ ዓድና ኩነታት እንትንርኢ ብሰለስቲኦም ዝንቀሳቐሱ ሓይለቲታት ነይሮም አዮም፤ ስዒሩ ዝወፀ አቲ ሳልሳይ ስነ ሓሳብ ዝሓዘ ሓይሊ እዩ። ኣብዚ እዋን እዙይ ከ እንታይ ዓይነት ስነ ሓሳብ እዩ ዘድሊ? ክንምልሶ ኣለና።

ግደ ስንሓሳብ ኣብ ታሪኽ ሕብረተሰብ እንትንረኢ ዝፈላለን ተገራጫውን ኮይኑ ንረኽቦ። ንረብሓ ህዝቢ፣ ንራህዋን ፍትሕን፣ንሓርነትን ደሞክራስን፣ ሰባት ብሕውነትን ምሕዝነትን ዝሓሸ ህይወት ንኽነብሩ ዘበርከተ፣ ዝሓሸ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ሰባት ተወዲቦም ንኽቃለሱ ባይታ ዝኸውን፣ ብሓጺሩ ኣብ ሕብረተሰብ ሃናጽን ኣወንታውን ግደ ዘበርክት፤ ገስጋሲ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝጣበቕ ስነሓሳባትን ብኡኡ ዝምራሕ ምንቅስቓሳትን ኣብ ታሪኽ ተራእዩ'ዩ።

በኣንፃሩ፡ ፀቢብ ረብሓታትን ድሌታትን ብምውካል፡ ንምዝመዛ፣ ንወራር፣ ንዅናት፣ ንመግዛኣትን ምልክነትን ዘገልግል፤ ህውከትን ዕንወትን ዝዘርእ፤ ፅልእን ፍርሕን ዘንግስ፣ ብሓጺሩ ኣብ ሕብረተሰብ ኣዕናውን ኣሉታውን ግደ ዝፃወት  መድሓርሓርን ዓማጽን ስነሓሳባትን ብኡኡ ዝምራሕ ምንቃቓሳት'ውን ተራእዩ'ዩ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ልምዓት ኮነ ጥፍኣት፣ ህንፀት ኮነ ዕንወት፣ ብዘይ ሓሳባት ስለ ዘየለ፣ ስነሓሳብ ከከም ዝውክሎ ረብሓታት፣ ኣረኣእያታት፣ እምነታት፣ ባህግታት ዝፈላለን ኣብ ሓድሕዱ ዝቃለስን ግደ ከም ዘለዎ ታሪኽ የረድኣና። ስለ ዝኾነ ሐዚ እንመርፆን ክህልወና ዘለዎን ስነ ሓሳብ ከምቲ ቀዳማዋይ መዃኑ ክነረጋግፅ ኣለና።

ሓደ ቅኑዕን ሓቀኛን፡ ንማሕበራዊ ፍትሒን ኩለ መዳያዊ ረብሓ ህዘብን፡ ዝቃለስ ገስጋሲ ስነሓሳብ ዝሓዘ ሓይሊ ኣብ ህዝቡ  እዞም ዝስዕቡ ክብርታት ከረጋግፅ ይኽእል፡-1) ማሕበራዊ ስኒት - ኣብ መንጎ በበይኑ ክፍልታት ሕብረተሰብ፡ ማለት ከተማ - ገጠር፣  ርኹባት - ዘይርኹባት፣ ደቀንስትዮ- ደቂተባዕትዮ፣ ዝተፈላለየ ባህላውን ሃይማኖታውን ጉጅለታት ወዘተ ኣብ ማዕርነትን ፍትሕን ዝተመስረተ ማሕበራዊ ስኒትን ምትሕግጋዝን የረጋግፅ። 2) ሃገራዊ ሓባራዊ ምርድዳእ - ኩሎም ዜጋታት ከም መሰረት ዝወስድዎ፣ ዝኣምኑሉን ዝምርሕሉን ዝከላኸልሉን ዘይትንከፍ ሰረት ሃገር ዝኾነ፡ ሃገራዊ መትከላትን እምነታትን ትካላትን ብምርግጋፅ፡ ሃገራዊ ሓድነትን ሓባራዊ ተማእዛዝነትን ይዅስኵስን የደልድልን። 3) ባህላዊ መንነትን ስነ ኣእምሮኣዊ ጥንካረን ምትእምማንን፤ - (ብመንነቱ ዘይተኣማመንን ናይ ስነኣእምሮ ሓይሊ ዘይብሉን ሕብረተሰብ ቁምነገር ክሰርሕ ስለዘይክእል) መንነቱ ዝፈልጥን ብኡኡ ዝሕበንን፣ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሙ ምትእምማን ዘለዎ፣ ዓብዪ ስራሕ ክሰርሕ፣ ታሪኽ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ዘይጠራጠር፣ ድልዱል ሓበራዊ ስነኣእምሮ ዝጨበጠ ህዝቢ ምህናጽ ይሕግዝ።

ስለዚ፡ ንማሕበራዊ ፍትሒን ኩለ መዳያዊ ረብሓ ህዘብን፡ ዝቃለስ ገስጋሲ ስነሓሳብ ዝሓዘ ሓይሊ ክፍጠር ኣለዎ እንተይልናን ንዚ ምፍጣር እንተኺኢልናን ቀፂሉ ክመፅእ ዘለዎ፤ ንቲ ዝተነፀረ ስነ ሓሳብ ንምፍፃም ግለፂ ዝኾነ ራእን ዕላማን ንዕኡ መፈፀሚ ፕሮግራምን አዩ ምቕማጥ ከድሊ።

 

ሐ) ዘነፀርናዮ ስነ ሓሳብ መፈፀሚ ራኢይ/ዕለማን ፕሮግራምን ነቕምጥ!

ሰብ ነቲ ዝሰርሖ ኣቐዲሙ ስለዝሓስበሉ፤ ናይቲ ክሰርሖ ዝደሊ ኣቐዲሙ ራእይ ኣለዎ እዩ። ኩሉ ኣብ ታሪኽ ዝተረኣየ ዓበይቲ ፍፃመታት  ብድሕሪኡ  ዓበይቲ ራእይታት ከምዝነበሮ ንራእይ እምበኣር ቅድመ-ኩነት ዓወት ስለዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ዕላማታቱ ንምርግጋፅን ዕማማቱ ንምፍጻምን ዝመርሖ ራእይ ከየማዕበለ ዝተዓወተ ህዝቢ፣ መንግስቲ ወይ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣይተራእየን።

ራእይ ምህላው ንበይኑ ግን እኩል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ራእይ እቲ ሓፈሻዊ ክብፃሕ ዝድለ ዕላማ ስለዝኾነ፤ ብተግባር ክፍፀመሉ ዝኽእል ሜላ  ክህሉ ኣለዎ። እዚ ቀስ ብቐስ ናብ ራእይ ዘብጽሕ መንገዲ ወይ ብልሓት ድማ  ፕሮግራም ወይ መደብ ንብሎ እዩ። ስለዚ ራእይ ብፕሮግራም እንተዘይተዘርዚሩ ፅቡቕ ምንዮት ኮይኑ ጥራይ'ዩ ዝተርፍ። ፕሮግራም እንታይ፣ ብኸመይ፣ ኣበይ፣ መዓስ ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል ግብራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ መደባት ይሕንፅፅን ኣተገባብርኡ ይግምግምን። ስለዚ ኣብ ራእይ ዝምርኮስ ፕሮግራም ግድን ኣድላያይ'ዩ። ራእይ ብደረጃ ስነሓሳብ፣ ዕላማታት፣ መትከላት፣ ክብርታት  ዝግለ፦ ኮይኑ፣ ፕሮግራም ከኣ ብደረጃ  ፖሊሲታት፣ ስትራተጂታት፣ ውጥናት ይግለፅ።

ሰብ ክብሪ ዝህቦን ዝብህጎን ከም ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ ነፃነት፣ ራህዋ፣ስራሕ፣ ፈጣራይነት፣ ብልፅግና፣ ስኒት፣ ዝኣመሰለ ፅቡቕ ነገራት ኣሎ። እዚ ፅቡቕ ነገራት'ዚ ከኣ ኣብ ሓደ እዋንን ብማረረ ደረጃን ክረኽቦ ኣይኽእልን። ስለዚ ሕብረተሰብ ኩሉ ዝብህጎ ነገር ብኸመይ፣ መዓስ፣ ኣበይ ይርከብ ዝውስነሉ ብልሓት ክህልዎ ኣለዎ። ንዙይ ራኢይን ዕላማን ኣነፂርካ መፈፀሚ ፕረግራም ኣቐሚጥካ ኸ እንታይ ይስዕብ? ዝብል ክኣ ንርአ!!

መ) ፖለቲካዊ ስልጣን ምቁፅፃር!

ዝተቐመጠ ራኢን ዕላማን ንምፍፃም ዘኽእለና ፖለቲካዊ ስልጣን ንምቁፅፃር ዘኽእል ውዳበ፣ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘለና ምዃኑ ነረጋግፅ ወይ ክህልወና ንግበር። ንቲ ራኢይን ዕላማን መፈፀሚ መንገዲ ወይ ብልፃት ዝበልናዮ ፕሮግራም ምስተቐመጠ፤ እዙይ ኣብ ግብሪ ክተውዕሎ ግድን ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኢድካ ምዃኑ ክተረጋግፅ ኣለካ። ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ንቲ ዘነፀርካዮ ስነ ሓዛብ፣ ዘቐመጥካዮ ራኢን ንዕኡ መፈፀሚ ዝኸውን ፕሮግራምን ክቕብል ዝኽእል እንተኾይኑ ግርም፤ እንተዘይ ኮይኑ ድማ ካሊእ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝቆፃፀር ፖለቲካዊ ውድብ ምፍጣርን ናብ ስለጣን ክወፅእ ምቅላስን ቀፂሉ ዝመእ ዘይተርፍ ስራሕ እዩ። ኣብዚ መድረኽ እዙይ ፖለቲካ ምፍላጥን ናብ ፖለቲካ ምእታውን ግድን እዩ። ፖለቲካ ከምቲ ገለ ሰባት ዝብልዎ ክፍራሕ ዝግበኦ ሓዊ ውይ ካሊእ ሕማቕ ነገር ኣይኮነን።

ፖለቲካ ማለት  ሕብረተስብ ጉዳያቱ ዘመሓድረሉ ስልጣንን ኣካይዳን ማለት እዩ፤ ፖለቲካ ምስ መንግስትን ሕግታትን ዝተኣሳሰር እዩ።  ፖለቲካ ማለት ሃገራት ወይ ኣብ ውሽጠን ዝርከቡ ማሕበራዊ ሓይልታት (ርእሰማላውያን፣ ሸቃሎ፣ ሓረስቶት፣ ሙሁራን ወዘተ) ረብሓታቶምን ዕላማታቶምን ንምርግጋፅ ናይ ግድን ዝሃንፅዎ ውዳበን ዘካይድዎ ቃልስን ጥበብን ተግባርን ማለት እዩ። ፖለቲካ ንኹሉ መዳያት ሂወት ስለዝውስንን ዝፀሉን ሓደ ሰብ ኣብ ሕብረተሰብ ክሳብ ዘሎ ካብ ፖለቲካ ናጻ ክኸውን ኣይክእልን። ሓደ ሰብ ምርጫይ ካብ ፖለቲካ ናጻ ሙዃን እዩ ክብል ዝኽእል እኳ እንተኾነ፤ እዚ ማለት ግን ኣብቲ ንሂወቱ ዝውስን ጉዳያት ልሙስ ተዓዛቢ ክኸውን ይመርፅ ኣሎ ማለት እዩ እምበር ብግብሪ ካብ ፖለቲካ ናጻ ኮይኑ ማለት ኣይኮነን። ብኻልኦት ዝወሰንዎ ፖለቲካ ክኸይድ ይመርጽ ኣሎ ማለት'ዩ።

ኣብ ሓደ ሃገር ፀጋታት ብኸመይ ከም ዝከፋፈል፣ መን፣ እንታይ፣ መዓስ፣ ክንደይ ከም ዝረክብ ዝውስንን ስርዓት ዘኽብርን ስልጣን ክህሉ ግድን'ዩ። እዚ ኸኣ መንግስቲ ንብሎ። ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት፣ ኣብ መንጎ ተመሳሳሊ መነባብሮን ረብሓን ወይ ባህልን እምነትን ዘለዎም ጉጅለታት፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ፕሮግራምን ዘለዎም ውድባት፣ ንበበይኑ ረብሓታት ዝጣበቕ ማሕበራት ወዘተ  ዘየቋርጽ ናይ ረብሓታትን ድሌታትን ግጭትን ቃልስን ስለዘሎ፣ ፖለቲካ ስልጣን መንግስቲ እዚ ግጭትን ቃልስን'ዚ ብሓበራዊ መርህ፣ ብሕጊ፣ ብዘተ፣  ብሰለማውን ሕጋውን መገዲ ዝመሓደረሉ መስርሕ'ዩ። ስለዚ ንሕና ንፖለቲካ ኮነ ፖለቲካዊ ስልጣን ክንፈርሖን ክንርሕቖንስ ይትረፍ ብዝግባእ ጠንኪርና ኣቲና ረብሓና ክነረጋግፀሉ ዝግባእ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

እዚ ንኹሉ ነገር ወሳኒ ዝኾነ ፖለቲካዊ/መንግስታዊ ስልጣን ምቁፅፃር ግድን ካብ ኮነ፤ ንዙይ እንቆፃፀረሉ ውዳበ ክህሉ ኣለዎ። ብኽልተ መንገዲ፤ ሓደ ብቐጥታ ስልጣን ዝሕዝ ፖለቲካዊ ውዳበ፣ ካልኣይ ንዚ ከም መጠንከርን መቆፃፀርን ዘኸውን ካሊእ ዝተፈላለየ ዓይነት ውዳበ። ብቐጥታ ኣብቲ ፖለቲካ ኣትዩ ስልጣን ክሕዝ ዝኽእል ሰብ ብባህሪኡ ውሑድ ስለ ዘኾነ ረብሓ ኣብዝሓ ህዝቢ ብቐፃልነት ንምርግጋፅ ንቲ ስልጣን ዘሓዘ ሓይሊ ዘቆፃፀራ ውዳበታት ክህልዋ ይግበአን። ብናይ ዓድና ጭቡጥ ኩነታት ሐዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ስልጣን ንምሓዝ ኣብ ዝገበሮ ቃልሲ ብመሰተሩ ረብሓ ህዝብን ዓድን ዘማልእ ኣተሓሳስባ ዝሓዘ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ከይዲ ግን ንዙይ ክሽርሽሩ ዝኽእሉ ሰባት ስለ ዝመፁ አዩ ናብ ዘይኮነ መንገዲ ከይዱ ንብሎ ዘለና፤ ስለዚ ኩሉ ግዜ ሓሳብ ዘይብሎም ሰባት ወይ ዘይበሰሉ ሰባት ንቲ ስልጣን እንትቆፃፀርዎ ሓሳብ ምዕፋን ስለ ዝጅምሩን እቲ ስልጣን ንፀቢብ ረብሐኦም ስለ ዘውዕልዎን እዙይ ከይኾን ዝቆፃፀራ ውዳበታት ክህለዋ ብዝለዓለ ትኹረት ክስራሕ ይግባእ። ኣብነት፦ ብቐፃልነት ንቲ ኩነታት እናተኸታተለ ኣንፈት ዘርእይ ትንተናን መፍትሕን ዝህበና think tank ክህልወና ኣለዎ፤ ፅፁይን እዋናውን ሓበሬታ ዘመሓላለፍ፣ ነገራት ከይእጀሉ በቢግዚኡ ዘቃልሕን ዘነቓቕሕን ጠንካራ ነፃን ዘይሻራዊን ሚድያ ክህልወና ኣለዎ፤ ነፃ ናይ ሞያን ሓፋሽን ማሕበራት ክነዕብብ ኣለናወዘተ።

ሰ) ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘለና ምንቅስቓስ ክነማዕብሎም ዘለና  ነማዕብል፤ ክንእርሞም ዝግበአና ነጥብታት ድማ ንኣርም፤!!

ኣብ ቀረባ እዋናት ብፍላይ ኣብዞም ዝሓለፉ 3፣4 ዓመታት ዳርጋ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ኣብቲ ጠቕላላ ከይዲ ዘለዎ ስግኣታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ። ኣብቲ መንእሰይ ሙሁር ድማ ዝያዳ ብልሕ ዝበለ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ተርእዩ እዩ። እዚ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክነሰጉሞ ዝፀናሕና ሓሳባት ብውነ ገምጊምና ክሳብ ሐዚ እንታይ ኢልና እንታይ ከ ኣዲሚና ወይ ውፅኢት ኣምፂኢና ኢልካ ብደንቢ ክድህሰስ ዝግበኦን ካብኡ ተበጊስካ ድማ ካብ ሐዚ ናብዙይ ንሰጋገር ክበሃል ዘለዎ እኳ እንተኾነ፤ ከም መበገሲ ክኾን ምእንታን ነሃተይ ትዕዝብቲ ከቕምጥ። ንቀደም ክነማዕብሎ ወይ ክነተኣታትዎ ዘለና፦

  1. ንሕበር፣ ሓይልና ነተኣኻኽብ (ሓይልና ኣይንበትን ኣብርእሲ “ምውሓድና”)፦  ምትሕብባር ዘይብሉ ሕብረተሰብ ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ተኺሉ ብቑጠባ ክምዕብልን ክወዳደርን ብራህዋን ስኒትን ክነብርን ኣይክእልን እዩ። ምትሕብባር ምርጫ ዘይኮነስ ግድነታዊ ተደላይነት ዘለዎ እዩ። ሓባራዊ ረብሓታት ከማዕብል ዘይከኣለ ሃገር ኣብ ሕድሕዱ ብዝናቖት ከፊላዊ ረብሓታት ተመቓቒሉ ናብ ህውከትን ዕንወትን ከም ዘምርሕ ኣብ ተመክሮ ብዙሓት ሃገራት ተራእዩ'ዩ።

ኣብቲ መንእሰይ ዝረኣዩ ገለ ዝንባለታት ነኒባዕልኻ ናይ ምንሻውን ተራ ፀርፍታት ምፅራፍን ክውገዱ ኣለዎም። ካብ ድሕረትን ስንፍናን ዝብገሱ ዝመስሉ ገለ ከፋፈልቲ ዝንባለታት ኣሪምና ኣብ ሓደ ዝገብረና ሓደ እናኾና፤ ኣብ ዘፈላልየና ድማ ኣፈላላይና ኣፅቢብና ብሓደ ክንከውን ይግባእ። “ተጋሩ እንትሓብሩ ዓለም ዘሰደመመ ስራሕ ይሰርሑ፤..እንትሓብሩ  ባሕሪ ተሳጊሮም ዓረብ ናይ ሎሚ ገለ ክፋል ኣፍሪካን የማሓድሩ...ክንፊ ዘለወን ዝመስላ መራኽብ ሰሪሖም ኣብ ባሕሪ ይወናጨፋ...ብፍሉይ ግርማ ሞጎሰ ኣብ  ውቅያኖሳት "ሸናሕ" ይብሉ ነይሮም ኣብ ከምኒ ንጉስ ገደረት ግዜ።

እንትፀግቡ ድማ ይፈላለዩ...ሕድ ሕዶም ይበኣሱ...እዚ ኣብ ታሪኾም ተደጋጊሙ ዝተርኣየ ክስተት እዩ::

ምስ ተፈላለዩ ወደቁ...መከራ ረኣዩ...እንትመሮም ሓበሩ...ሓደ ኾኑ...መን ይኽኣሎም...መን ይመክቶም::መሊሶም ፀገቡ...ሓድነቶም ላሕለሐ...ፍርቆም ክርስትያን፣ፍርቆም #እስላም፣ፍርቆም ይሁዲ ኾኑ::ተፈላሊዮም ነኒበይኖም ናብ ዝመስልዎም እምነታት ብምኻድ ክፅግዑ ፈተኑ:: …. ኣብቲ እዋን ንፈለማ ግዜ ኣልቦ ባሕሪ በሪ ኾኑ::ካሊእ ቀሪዪ ብፍራንክ ዝነበረ ዕድጊት(ከረንሲ)ንድሕሪት 1000 ዓመት ተመሊሶም "ኣሞሌ ጨው"ልውውጥ ኣቅሓ ጀመሩ:: ከምዚ እናተደጋገመ ዘመነ እኒ ስሑል ሚካኤልን ወልዱ ስባጋድስንእኒ ራእሲ ኣርኣያ መፀ::ክተሓባበሩ ድማ ጀመሩ..በሪ ባሕሮም ድማ መሊሶም ኣኽበርዎ...መሊሶም ድማ ተማነዉ..ፀገቡ..ኸዓ ወደቁ...ንዓመታት መከራ ተፅዓኖም......እንትመሮም መሊሶም ተኣላለሹ...ሓበሩ፤ ይመክቶም,,,12 ሽሕ ኾይኖም 60 ሽሕ ሰራዊት ንጉሰ ነገስት ተክለጊዮርጊስ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ "ራዕ"ኣበልዎ::  ሰማእት ካሳ (ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ)ምስ የማናይ ኢዶም ኣፍሪካዊ ቀዳማይ ጀነራል "ቱርክ ፓሻ"ሕንጊዱ ኣሉላ ኾይኖም ንኢትዮጵያ ተረከብዋ:: ድማ መሊሶም ፀገቡ...ተፈላለዩ..:: ንምንሊክ ድማ ዝመንጠልናካ ዘውዲ ንግስና እንካ በልዎ...ንሱ ድማ ብዝነበሮ ቂም ኣብ ጓህሪ ክጠብሶም ጀመረ...ኣብ ዓዱ፦

  1. .../ስላሴ ካዓ መፀ...እቲ ፅዋዕ መከራ ኣሐዪሉ ቀፀለሉ...ተጋሩ ክዕምፁ ፈተኑ...ረይረይ ድማ ኣበልዎ...ታይ ዋጋ ኣለዎ...ኣውሮፕላን እንግሊዝ ካብ ባሕሪ ኤደን እናተልዓላ 82 ጊዜ ተመላሊሰን ነቲ ሓርበኛ ሓመድ ገበረኦ...እታ ዓባይ ትግራይ ንዘለኣለም ዝሞተት መሲላ ደቀሰት:: ደርጊ ድማ መፀ..ኣብ ዝደቀሰትሉ ብሓይሊ ጦር ክሓርዳ ጀመረ...ሽዑ ተጋሩ ቅንዕ በሉ...እነኦም እናበኸየት ረኣዩዋ...ኣይበኸዩን...ብኽያት'ውን እንትጥዕመካ' እንድዩ ዝበሃል፤ክሓብሩ ድማ ጀመሩ..ነታ ዓዶም ድማ.."ኣይትንብዕለይ ኣይትብከይለይ...ሓፂር ምንሽር በቲ ደጎል ሸንድየለይ"..ኢሎም ተሓባበሩ...ምስ ሓበሩ መን ይኽኣሎም..መን ይመክቶም...ሕማቅ ዘመን ቀቢሮም ጥዑም ዘመን ኣምፅኡ...ንሳቶም እቶም ሓበሻ......እቶም ተጋሩ:: እዚ ታሪኽ እዚ ታሪኽ ወለድና እዩ...ናትና ናይ ባዕልና ታሪኽ! እንተሓቢርናን እንተተፈላሊናን እንታይ ከም እንረክብን እንታይ ከምንስእንን መስትያትና እዩ:: ሕሉፍ ታሪኽና ከምህረና ይግባእ...እንተሓቢርና ኹሉ ይከኣለና እዩ...እንተፀጊብና እሞ እንተተማኒናን ተፈላሊናን ግን ካብቲ ዝነበረ መከራ ዝበኣሰ ከምዘጋጥመና ጥርጥር የብሉን::ካብ ታሪኽና እንምሃር ለባማት ክንኸውን ይግበአና:: ኢሉ ከም ዝገለፆ እዩ እሞ ልቢ ንግበር።

(ከም ህዝቢ) ባህሊምክእኣልን ተፃዋሪነትን  ክነማዕብል ይግበአና፤ ትግራዋይ ኣብዝሃለወ ይሃልው ኣካሉ እምበር መንፈሱ ኩሉ ግዜ ኣብ ዓዱ ከምዝኾነ ዘረጋግፁ ሓቅታት ብዙሓት እዮም። ኣይኮነን ሕዚ (ምስ ኩሎም ፀገማት)ኣብ እዋን ልምዓትን ዕብየትን ኮይኑ ኣብቲ ዘበን ኣካሒዳ ኣብቲ ሕማቕ ናይ ኵናትን ጥምየትን እዋን እኳ ንዓዱ ንክልሉ ገፁ ዝዓፀፈ ትግራዋይ ኣይነበረን!.ዝኾነ ትግራዋይ ፀገም ዓዱ ትግራይ ንምፍታሕ ንህይወቱ እውን ከምዘይስስዕ ብተግባር ኣርእዩ እዩ።

ኣብ እዋን ራህዋ እውን ብሓደ ክንከውን ኣለና። ዝበፅሐና ፀገም ንምክልኻል ጥራሕ ኣይኮናን ሓደ ክንከውን ዘለና። እንትርህወና ውን ካብቲ ዘለናዮ ንላዕሊ ኣዕርዩ ምእንቲ ክርህወና (ናይ ሰብ ድሌት መወዳእታ ስለ ዘይብሉ) ሓቢርና ክንትልም፣ ክንመራመር፣ ንኻልኦት ብኣውንታ ክንፀሉ፣ ኣብ ኩናት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምርምርን ፈጠራን እውን ጀጋኑ ምዃና ክነርኢ/ክነመስክር፣ ታሪክ ምስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኽና ምስናድን ምኽባርን እውን ከምእንኽእል ክነርኢ፣ ብዝሰራሕናዮ ታሪክ ተዓቢና ንጀሃር ዘይኮነስ መድረኽ ዝጠልቦ ታሪክ እናሰራሕና ንፅባሕ ንነብር ምዃና ውን ክነረጋግፅ..ወዘተ ወዘተ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ሓድነትናን ፍቕርናን ክጥንክር ኣለዎ።

ክንፈ ገብረገርግስ (ተፃዋታይ ጭራ) ኣብ ሓደ ደርፉ “ ኣይጥዕሙን ቁሸታት ዝፈሊ

ኣይጥዕሙን መረባ ዝፈሊ

ኣሕዋት ኢና ደቂ ሓደ ዓዲ

በሓደ ንብለዓያ እታ መኣዲ

ኣብ ሞንጎና ከይኣቱ ባዕዲ” ብዝብል ከመይ ተሳኒና ክንነብር ከምዘለና ይገልፅ።

ሓደ ካሊእ ኣበሃህላ እውን ኣሎ “ኣታ እዞም ዓድና እዞም ዓያሹ

ተኣኪቦም ድፍዖም ዘፍርሱ

እምባና እምበር እምባ መን ፈሪሱ”

ሰብ እንትሓምቕ እዩ ናብ ፀቢብብን ከፋፋልን ኣርኣእያ ዝወርድ። ናሁሰናይ በላይ ሓደ ግዜ ኣብ ውራይና ኣብ ዝፀሓፎ ከምዚ ኢሉ ነይሩ “አብ ትግራይ ዘለዉ ፀገማት ንኹሉ ትግራዋይ ሓረስታይ ብማዕረ አይኮኑን ድየም ዝሃስይዋ? እስቲ ንአብነት እተን አለዋ እንብለን (ግላዊ ትዕዝብትይ ስለዝኾነ ኩሉ ሰብ ዝቅበሎ ዘይክኾን ይኽእል እዩ) ፀገማት ዘኪርና ፤አየናይ ትግራዋይ እዩ ዓፅሙ እናተቆፀረ ናብ ፀገም ዝአቱ? አየናይ ኸ እዩ ዝተቆፀረ ዓፅሙ መሰረት ተገይሩ ዝተፈለየ ነገር ይረክብ? ኢልና ንሕተት። ንአብነት እዋናዊ ፀገማት ዝበሃሉ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ጉዳይ ማዳበርያን፣ ፍትሓዊ ልቓሕን ስደትን ብቆፀራ ዓፅሚ ድዮም ዝሰርሑ? ከምዚ ዓይነት አተሓሳስባ ፀገምና ታይ ምዃኑ ከይንርኢ ካብ ምዕዋር ሓሊፉ ብሓደ ንዓድና ከይንሰርሕ ዝገብር ከፋፋላይን አተሓሳስባ እዩ። ሓደ ዓይነት ፀገም ዝነበሮን ዘለዎን ማሕበረሰብ ንኸፋፋላይ ትክን ዘጋልፀ ሓቂ የብሉን፤ ምኽንያቱ ፀገሙ ብባህሪኡ ሓደ ስለዝኾነ። ሓበሬታ ዘይብሉን ንምልላይ ዘፀግም መደምደምታ እዩ፡፡ ኣብዚ እስኪ ንሓፈሻዊ ግንዛበ ክኾነና ምእንቲ ሓደ ሰብ ፖለቲካዊ ትንተናን ቅዋምን ንምውሳድ ንምንታይ እዩ ናብ ጉዳይ ኣውራጃዊነት፣ “ዓሌትን” ዓፅምን ዝአመሰሉ ግልፂ ዘይኾኑ ነገራት ዝአትው ዝብል በዚ አቢለ ዝተወሰኑ ነገር ክብል።

  1. ስንፍናን ቀሊል መንገዲ ምምራፅን

ሳይንሳዊ ዘይቤን ሓበሬታ ዘይብልካ ምድምዳም ጉጉይ እዩ፡፡ ፖለቲካ ይኩን ካሊእ ዓውዲ ፍልጠትን ትዕግስት ዝተላበሰ ህድእ ዝበለ ትንታነ ይጠልብ፡፡ እዚ ድማ ነገራት ብቡዙሕ መንገዲ ምርኣየን ኣቅሚ ብዝፈቀደ መጠን ምሕሳብን ይደሊ፡፡ እዚ ጉዕዞ እዚ ካብ ፎኪስነት የድሕነካ፡፡ ነገራት ንምርዳእ ሳይንሳዊ ተክእሎ ወይ ትዕግስቲ እየተዘይብልካ ግና እታ ቀላል መንገዲ ትመርፅ ትኽእል፡፡ ከምቲ 1997 ዓ.ም ዝነበረ ማለት እዩ፡፡ “ሽግር ኢትዮጵያ ተጋሩ ስለዝመርሑ ዘለው ዝመፀ እዩ ስለዚ እቲ ፍታሕ ድማ ንተጋሩ ናብ ዓዶም ምብራር እዩ” ዝብል ኣይነት ፖለቲካ ይኸውን፡፡ ናይ ናዚ ጀርመን እውን ከምኡ እዩ፡፡ ፀገምና ኣይሁዳውያን ምህላዎም እዩ ኢሉ ስለዝኣመነ ከም መፍትሒ ድማ ንኣይሁዳውያ ካብ ምድሪ ከጥፍእ ተላዒሉ፡፡ ናይ ሰነፍ ፖለቲካ ኩሉ ግዜ ቀሊል ግን ድማ ፃዕናዊ እዩ።

  1. ተስፋ ምቁራፅ

ተስፋ ምቁራፅን ውሽጣዊ ፀገምኻ ፈሊጥካ ዘይምቅባልን ናብ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ከጥሕለካ ይኽእል እዩ፡፡ ንዝገብሮ ነገር ሓላፍነት ዘይወስድ ሰብ ነገራቱ ናብ ደገ እናላኸኸ ምንባር ከም መምለጢ መንገዲ ይርእያሞ “እንታይ ደኣ ኮንካ ከምዚ ኮንካ እንተልካዮ” “ዋ ወዲ እንትን ኣውራጃ ስለዝህኮንኩ” ይብል፡፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓደ ሰባት “ትግራዋይ ስለዘይኮንኩ ዕብየት ስራሕ ይኽልኡኒ” ዝብልዎ፡፡

ገለ ገለ ሰባት ብፀቢብነትን ብድንቁርናን “ንሕና ኢና ዋና ተጋሩ ማለት” ዝብሉ እውን ብግላዊ መንነቶም ዘይትኣማመኑ “ዓሌታዊ”/ኣውራጃዊ መንነቶም ብኣሉታ ዝርድኡ ስለዝኾኑ ሓደገኛታት እዮም፡፡ መምህር ሙሉወርቅ ሰብ ናብ መውደሚ መዕንዊ አተሓሳስባ ዝኣቱ ሓይሊ ኣተኣኻኺቡ ዝሳኣኖ ነገር ብሰንኪ ካልኦት ከም ዝኾነ ንምርኣይ እዩ ይብል፡፡ “ክሽወም ከሎ እን እገለ ሸይሞሙኒ ከይበለ ክወርድ ከሎ ካብ እገለ ኣውራጃ ስለዘይኮንኩ ኢየ ወሪደ” ዝብለሉ ምክንያት ግላዊ ፀገምካ ንምሕባእ ዝግበር ፈተነ እዩ፡፡ ተስፋ ዝቆረፀ ሰብ ኣላትኒ ዝብላ እምኒ እዩ ዝሽንዲ።

  1. ልዑል ህንጣወ (ambition)

ልዑል ህንጣወ እውን መንቀሊ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብኸይዲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣውራጃዊነት ብኣውራነት ተወቂዑ እዩ ክበሃል ዝከኣል እንተኾነ እውን፣ መሊኡ ጠፊኡ ክበሃል ግና ኣይክእልን፡፡ ኣብዚ ክትሕዙለይ ዝደሊ ኣውራጃዊ ማንነት ዝነበረን ዘሎን ሓቂ ኮይኑ ሕዚ እንዛረበሉ ዘለና መዕነዋይ ገፁ ጥራሕ እዩ፡፡ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ንኹሉ ዓይነት መንነት ኣፍልጦ ዝህብን ሕጋዊ ሓለዋ ዝገብርን ምኳኑ ክንዝንግዕ የብልናን፡፡ ሰብ ካብ ውልቀ ሰብነቱ ጀሚሩ ቤተሰባዊ፣ ኣኻባብያዊ፣ ኣውሪጃዊ፣ ክልላዊ፣ ሃገራዊ፣ ዓለማዊ መንነት ምህላውን በዞም መንነታት እዚኦም ምሕባኑን ግቡእ እዩ፡፡ እቲ ሓደጋ ዝኸውን ኣብ ሓቂ ዘይተደረኸ ሃይሊ ዝብትንን ንሓደጋ ዘቃልዕን ድሑር ኣውራጃዊነት ምትራኽ እዩ፡፡

  1. Mirror Imaging

ብስሩኸ “ወዲ ወሰን” ምግባርን “ምጉናይን” እንታይ ማለት እዩ፡፡ ኣብ ዘርፊ ፅንዓት ስነ-ኣእምሮ mirror imaging ዝበሃል ነገር ኣሎ፡፡ symmetrical perceptual process ማለት እዩ፡፡ ከም አብነት ፤ብቀሊል ኣገላልፃ ሓደ ሰብ መንቀሊን መዕለቢ ኣተሓሳስብኡ ካብ ኣውራጃዊነት ዝነቐለ እንተኾይኑ ኩሉ ሰብ ልክዕ ከምኡ መንቀሊን መዕለቢን ኣተሓሳስብኡ ኣውራጃዊነት እዩ ዝመሰሎ፤ mirror imaging ዘጥቀዖ ሰብ ማለተይ እዩ፡፡ ኣነ ከምዚ ስለዝሓስብ እገለ እውን ብከምኡ እዩ ዝሓስብ ማለት እያ mirror imaging ነዚ እዩ ድማ mirror imaging መንቀሊ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ክኸውን ዝኽእል፡፡” ናሁሰናይ ኣብ ውራይና 16 ዝፀሓፎ እዩ።

ባህታና ይስመር ዝበሃል ድማ “ተጋሩ ብሓባር ምውጋእን ኣብ እዋን ፀበባ ምሕባርን እምበር ኣብ እዋን ሰላም ሓቢርካ ምንባርን ምምሕዳርን ኣይክእሉን ዝብል ጃህራን ብሓደ ወገኑ ከ ሓቂ ዝኾነ ዘረባ ነበረያ ነበረ ኣብ ምግባር። እዙይ ድማ ብፈኸራ ዘይኮነስ በሊፅካን ናይ እማን ከም እትኽእልን ኮይንካ ብምርካብ እዩ ዝግለፅ። ኣብዚ ቅድም ኢሉ ዘጋጠመ ምፍርኽኻስ ይኹን ሐዚ ሐዚ ኣብቲ ገዛኢ ውድብ ዘሎ ምጉጅጃል ናብቲ ዘፍረሕ ኩነታት ከየብፀሐና ኣዝዩ እዩ ዘስግእ። ኣብዚ እቲ ዓብይ መልእኽቲ ብፍላይ ነቶም ወንበር ዝሓዙ መንገዲ መፃኢና ከይፅይቑልና ንክርድኦም ምግባር እዩ።” ይብል።

ሓደ ህዝቢ- ባህሊ ሓቢርካ ምስራሕ፣ተሓጋጊዝካ  ምዕባይ፣ተደጋጊፍካን ተመካኺርካን ምምራሕ፣ ህዝቢ እንትርባሕ ረብሓይ ይረጋጋፅ ኢልካ ምእማን ዝመሰለ ዓብላላይ ባህሊ ዘለዎ እንተኾይኑ ጠንካራ (ፅብቕ) ባህሊ ኣለዎ ማለት’ዩ። ብግልባጡ ንባዕለይ ጥራሕ ካብ በሓባር ንስራሕ ዝብል በይነይ ክሰርሕ ዝብል፣ በይነይ ክዓቢ፣ ንዓይ ጥራሕ ስምዑኒ ..ወዘተ ዝብል ዓብላላይ ባህሊ ዘለዎ ድማ ድኹም ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ይኸውን።

ገዛእቲ ወይ ፀረ ዴሞክራስያዊ መራሕቲ ብድሕሪኦም ነስኒሶሞ ካብ ዝኾዱ እሾኽ ክፋእ ውሑድ ካብቲ ብዙሕ ጽልኢ ቅርሕንቲ ቅንእን ምትፍናን ኣብ ሞንጎ ዓሌታት ብሄራት ኣውራጃታት ወይ’ውን ሃይማኖታት ይርከብዎም። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለምና በብግዜኡ ዝተቀልቀሉ ገዛእቲ ብድሕሪኦም ሳዕሪ እንተዘይቦቀለ’ውን ሰለዘይግድሶም እቲ ዝጨኮንዎን ዝገዝእዎን ሃገርን ህዝብን ብድሕሪኦም ተሓማሚሱን ዕግርግር ኣትይዎ ተበታቲኑን ዝተረፈ ውሑድ ኣይኮነን፡፡ ታሪኽ ዝሰነዶም ናይ ከምዚኦም ኣብነታት መሊኦም’ዩም።

ገዛእቲ በትረ~ስልጣኖም ጥራይ’ዩ ዘገድሶም፡፡ ስለዚ ድማ ብሂወት ክሳብ ዘለው ኣብ ኮረቻ ስልጣኖም ኮፍ ንምባል ዘይኣለምዎ ዘይፍሕስዎን የለን። ህዝቢ ብዛዕባ መሰልን ሓርነትን ከይሓስብን ከይጥይቅን ኣብ ነንሕድሕዱ ከይተኣማመነ፣ ከይተፋቐረን ከይተሳነየን ተተፋኒኑ ክከይድ’ዮም ዝደልይዎ፡፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ዕላማታቶም ንምዕዋት ድማ ዝተፈላለየ ቶንኮላት ብምእላም ነቲ ህዝቢ ኣቃልብኡ ብምጥምዛዝ ኣብ ጓል~መንገድን ደቀቅቲ ነገራትን ኣቶኪሩ ዕንክሊል ከብልን እቲ ግዜ ኣብ ነንሕድሕዱ እናተቶኻቶኸን እናተፋለሰን ከሕልፎ ምእንታን ዘይፍሕጥርዎ ባይታ የለን።

እሞ ገዛእቲ ንስልጣኖም ክብሉ ዝፈጥርዎን ዘሰግምዎን ናብ ዕንከሊል ዘእቱ ነገራት እውን ምስትበሃል ኣገዳሽ እዩ ንምባል እዩ።

  1. ውሽጥና ንርኣይ፦

ጠንካራ መግለፅታትና (ክብርታትና) ኣጉሊህና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዓቕሚ ክንጥቀም ኣለና። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዓቕምን ጠንካራ ጎኒን ኣለሊናን ኣጉሊህናን ናብ ረብሓና ንምውዓል እንትንተግህ፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ውሽጥና ዘለው ድኽምታት ኣለሊና ክንእርም ግድን እዩ። ድኽመትካ ንኻሊእ ደጋዊ ኣካል ምሃብን (ኤክስተርናላይዝ ምግባር) ምልጋብን ዘየጠራጥር ናይ ውድቀት መንገዲ እዩ።

 Stephen R. Covey ዝተበሃለ ፀሓፊ  “The 7 Habits of Highly Effective People: Powerful Lessons in Personal Change” ኣብ ዝብል መፅሓፉ  ብዛዕባ ውሽጥኻ ምርኣይ ብደንቢ ገይሩ ገሊፅዎ ኣሎ፤ ካብ ውሽጢ ንደገ ምርኣይ ምስ ካብ ደገ ንውሽጢ ምርኣይ ኣነፃፂሩ እዩ ትርጉሙ ወይ ረብሕኡ ዝነግረና። እቲ ዝብሎ ከምዘለዎ ንርኣዮ “Inside-out means to start first with self, even more fundamentally to start with the most inside part of self, to start with your paradigms, your character, your assumptions, and your motives. It says that if you want to have a happy marriage, be the kind of person who generates positive energy and sidesteps negative energy rather than empowering it. If you want to have a more pleasant, cooperative teenager, be a more understanding, empathetic, consistent, loving parent. If you want to have more freedom, more latitude, in your job, be a more responsible, a more helpful, a more contributing employee. If you want to be trusted, be trustworthy. If you want to have the secondary greatness of recognized talent, focus first on the primary greatness of character. The inside-out approach says that internal victories precede external victories. … In all of my experiences, I have never seen lasting solutions to problems, lasting happiness and success that came from the outside-in.” ካብ ደገ ዝብገስ መፍትሒን ምንጪ ሓጎስን ረአ ኣይፈልጥን፣ ኣብ ውሽጥኻ እያ ዘላ ይብለና ኣሎ።

ፃድቃንን ጆቤን ድማ “ህዝቢ ትግራይ ብባዕሉ እዩ ዝለምዕ፣ መሰረታዊ ጥንካርኡ ክጎልህ እንከሎ ረብሓታቱ ይለሊ፡፡ ረብሓታቱ ከመይ ኢሉ ከም ዘረጋገፅ ይትልም እቲ ትልሚ ንምትግባር ዘጋጥሞ ሽግራት እውን እናላለየ እናተጋፈጦ እናሰዓረ ይኸይድ መሰረታዊ ረብሓታቱን ክብርታቱን ዘለለየ ህዝቢ ምስ ካልኦት ብሄርን ብሄረሰባት ዘለዎ ዝምድና አጠናኪሩ ልምዓቱ ከሐይል ይቃለስ፡፡ ቁርምርም እናበለ ብትሕትነት እዚአ ኮይና እዚአ ጎዲላ እናበለ ዝነብር ህዝቢ አይኮነን ህዝቢ ትግራይ፤ ንናይ ሓባር ረብሓን ክብርታትን ብሓባር ንቃለስ ኢሉ ናይ ኻልኦት ህዝብታት ጥንካረ መሰረት ገይሩ ዝዕድም፣ በአዎንታ ዝገልፅ፣ ምሕዝነቱ ዘጠናክር እዩ።”

ገብረስላሴ ኣርኣያ “ታሪኻዊ ዝኾነ ህዝባዊ ቓልሲ መሪሑ ካልኦት ህዝብታት’ውን ዘቃለስን ዓለም ኣፍልጦ ዝሃቦ ሃገራዊ ለውጢ ዘምጽአ ውድብ ህወሓት ኣብ ሰላማዊ መድረኸን ዝተመቻቸወ ኩነታትን በጺሑ ንእሽተይ ክልል ብኣግባቡ ምምሕዳር ኣቢዎ ዕንይንይ ዝብለሉ ዘሎ ምኽንያት ንርእሱ ኣብ ዘተሓሳስብ ምጉዳል ጥዕና በጺሑ ስለዘሎ ጥራይ እዩ። ብምዃኑ ድማ እቲ ውድብ ንሕማሙ ዝምጥን ፈውሲ ብእዋኑ እንተዘይወሲዱ ንክልልና ህዝብናን ንሓደጋ ዘጋልጽ ስለዝኾነ ካብ ምጥቕቓንን ዛ’እምባይ መን ይወርሳ ዝዓይነቱ ህልኽ ወጺኡ ናብ ውሽጡ ክጥምት ይግባእ። ከም ገዛኢ ውድብ ተሰኪሙዎ ዘሎ ረዚን ህዝባዊ ሓላፍነት ተረዲኡ ብዘይ ውዓል ሕደር ነቶም ዘለዉ ውሽጣዊ ድኸምታት ኩሎም ዝምጥን ካብ ኣፋዊ ዝሓለፈ ስጉምቲታት ክወስድ ይግባእ።” ይብል። እቲ ፀገም ገሊፁ መፍትሒኡ ድማ ውሽጥኻ ምርኣይ እያ እዩ ዝብል ዘሎ ገብረስላሴ።

ውሽጥኻ ዘይዓረየ ቅኑዕ መንገዲ የለን።

  1. 3)ነፃ መድረኻትን ውዳበታትን ንምፍጣር ንትጋህ!(ምንቅስቓስና ናብዚ ነሰጋግሮ)

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝኒሀ ናይ ዓድና ኩነታት እንታይ ይጠልበና ኣሎ ኢልና እንተሓቲትና ነፃ ኮይንካ ምዝርራብን መፍትሒ ሓሳባት ምንዳይን ዝብል አዩ ግቡእ መልሲ ክኾን ዝኽእል። ብርክት ዝበሉ ሰብ ተሞኩሮ “መፍትሕታት ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገማት” ኢሎም ካብ ዝፍንውዎም ዘለው ነጥብታት እቲ ዝዓዘዘ ሚዛን ዝወስድ “ኩሎም ሓይልታት ብሓባር ዝዝትዩሉ መድረኽ ምፍጣር” ዝብል እዩ። እዙይ ንምግባር ድማ ነፃ መድረኽ ዝፈጥራ ነፃ ትካላት ወይ ውዳብታት ክህልዋ ግድን ይብል።

ናይ ህዝቢ ድሌት እንታይ እዩ? ዘላቒ ረብሓና ከመይ ይረጋገፅ? ኣብዛ ሃገር ዝህልወና ዕድል እንታይ ክመስል ኣለዎ ከመይ ከ ክረጋገፅ ኣለዎ? ኢልና ክንዝቲ ይግባእ። እዙይ ንምፍላጥ ድማ ምዝርራብ የድልየና። ህዝቢ ድማ ድሌቱ ዝፍለጥን ክውከል ዝኽእልን ብትካላትን ውዳበታትን ስለ ዝኮነ ነፃ ዝኾና ናይ ህዝቢ ውዳብታትን ትካላትን ምህላው ኣገዳሺ ይገብሮ።

ናይቲ ህዘቢ ሕቶን ጠለብን ክነፈልጥን ፈሊጥና ክንዘራረብን ድማ ከዘራርበና ዝኽእል ነፃ መድረኽ ዝፈጥር ነፃ ትካል ወይ ውዳበ የድልየና። መንኣሰይ፣ ሙሁራት፣ ሃፋትም፣ ተጋደልቲ፣ ወዘተ ዘለውዎ ካብቶም ልሙዳት ህወሓት እተጣይሾምን እትቆፃፀሮምን ውዳብታት ወፃእ ዝኮነ ሓበራዊ መዘራረቢ ትካል ክህልውና ክንገብር ኣለና፤ እዙይ ግዜ ዘይህብ ጉዳይ እዩ፤ ህወሓት ዝቆፃፀሮ ትካለን ውዳብን እንተደልዩ በዚሕዎ አኳ እቲ ዘለዎ ይሓዝ።

አዙይ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክመፅእ ይኽእል፤ ብመያ፣ ብዘፈር፣ ብተገዳሽነትን ተወፋይነትን ወዘተ ከከም ዝጥዕም ኣብ ገሊኡ ብሓባር ኣብ ገሊኡ በቢዝጥዕመካን በቢዘፈርካን ዝገለፅ ውዳብታትን ትካላትን ምህላው ግድን እዩ ንብል ብኣፅነኦት። እቶም ውዳብታት ብፖለቲካዊ ውድብ ክኾኑ የብሎምን ኢልካ ዕፅው ዝግበር እኳ እንተዘይኮነ ሐዚ ዝጠልብ ግን ካብ ፖለቲካ ነፃ ውዳብታት ይመስለና።

ኩሉ ንዓዱ ዝግደሽ ትግራዋይ ኣብቲ ብሃገር ድረጃ ክህሉ ዝግበኦ ምንቅስቓስ ክፃወቶ ዝግባእ ተራን መሪሕነትን ምፅዋት ኣገዳሺ ኮይኑ፤ ኣብዚ ግዜ እዙይ ግን ከም ተጋሩ ጉዳይና እንዝትየሉ ኩነታት ምምችቻው ንፅባሕ ክብል የብሉን። ብድፍረት ምዝራብ፣ ኩሉ ነገር ካብ ረብሓ ውድብ እናተበገስካ ዘይምርኣይ፣ ኣብ ትግራይ ዘለው ፀገማት ሳይነሳዊ ብዘኾነ መንገዲ እናፅናዕኻ ምትንታን፣ ካብኡ ተበጊስካ ድማ ካብ ስሚዒታውነትን ኣድላውነትን ነፃ ዝኮኑ መፍትሒታት ምጥቋም ወዘተ እዩ ኣካይዳና ክኸውን ዘለዎን ክንለምዶ ዘለናን።

ተጋሩ ነፃ ናይ ሰቪክ ማሕበራትን ውዳበታትን ንምፍጣር ክገብርዎ ኣብ ዝግባእ ኣገዳሽን እዋናውን ምንቅስቓስ ውራይና ዝከኣላ ግደ ንምፅዋት ብትግሃት ከም እትሰርሕ ድማ ቃል ክንኣቱ ንፈቱ።

  1. 4)  ኣውንታዊ ኣርኣእያን ኣተሓሳስባን ይሃልወና!

ኣብ ዓድና መብዛሕትአን ኣዴታት ዕንቀፍት(እምኒ) እንተወቒዕወን  “ኣየይ” ኢለን ኣይቕንዘዋን፤ ብግልባጡ  “ኣሰይ” ይብላ ፅቡቕ ከምዝረኸባ። ንምንታይ? እንተይልካየን ሕማቕ ብኣፈን ከይወፅእ ወይ ሰይጣን ደስ ከይብሎ፤ ሰይጣን እንትብላ ሕማቕ ነገር ዝደሊ ማለተን እዩ። “መብራህቲ ኣጥፈኣዮ” ኣይብላን “ኣልማዓዮ” እንበር። ሓደ እዋን ኢያሱ በርሀ እንትዛረብ ወላዲቱ ብህፃኑ እንተሎ ደጋጊመን  ‘ወደይ ኣዕቢኻ ሕሰብ ንእሽተይ መን ከይኸልአካ፡ ፀፅቡቑ ሕሰብ ‘ወን ተዛረብ ሓማቕ ታይ ይዓብሰልካ? ሕማቕ እኮ ሕማቐ እዩ’ ትብለኒ ነይራ ኢሉ ነይሩ። ኣዴኻ እንታይ ክትኮነላ ስለ እትምነ እያ ከምኡ ትብል? ምግማቱ ቀሊል እዩ። ኣብ ፊዚክስ ዝተመሃርናዮ ኣሉታን ኣውንታን ትሰሓሓቡ ዝብል law of gravity ዝበሃል እዩ፤ እዙይ ኣብ ማሕበራዊ ሳይነስ ኣይሰርሕን፣ ኣብ ማሕበራዊ ሳይነስን law attraction እዩ ዘሎ፤ እዙይ ድማ ፅቡቕ ፅቡቕ ይስሕብ ሕማቕ ሐማቕ ይስሕብ እዩ ሕጉ። እሞ ፅቡቕ ክንከውን ፅቡቕ ንሕሰብ እዩ።

ብዓለም ደረጃ ፍሉጥ ሙሁር (ኣብ ቀረባ ግዜ ፍሉይ ክብሪ ሳይንቲስነት ዝረተወሃቦ) ፕሮፌሰር ኪሮስ ብርሃነ “ቅዱስ ሕልሚ” ኣብ ዝብል ግጥሙ ከምዚ ዝስዕብ ይብለና፦

ንመልሓሰ ተግባር

ንኽፍኣት ስንምግባር

                              እንተዝቕድሞ

ንሓምየት ምኽሪ

ንፅልኢ ፍቕሪ

                                  እንተዘዳኽሞ

ንትዕቢት ትሕትና

ንተንኮል ቅንዕና

                                        እንተዘሰክፎ

ንሕሶት እውነት

ንጥርጣረ እምነት

                                    እንተዝትከኦ

ሕልና ወዲሰብ

ምረኸበ መኽሰብ

                                               እንበር ነይምኸፍኦ!

ኣብ ከክነዲ ርኹስ፣ ቅዱስ ሕልሚ ንሂወት ወዲ ሰብ ይጠቕሞ ይብል ኣሎ።

እሞ ኩሉ ግዘ ኣቐዲምና ካብ ንጠራጠር ብስገኣት ንረአአ፣ ካብ ንበኣሰ ንመነቐቐ፣ ካብ ንተነዃኾል ንጎዳዳእ ወዘተ ንምንታይ ዘይንዛተ ዘይንተዓረቕ? ኢህን ሚሂን ዘይንበሃሃል ዘይንተሓባበር? ብሰናይ ተግባርና ዘይንተኣማመን? ንሰብ ምምንቃይና፣ ምፍራጅና፣ ምፅላምና፣ ብቒም ምፅማድና፣ ብዘለና ሓይሊ(ማሕተም ክኾን ይኽእል ወይ ውን ብረት) ንሰብ ምንዓቕና ….እንታይ ይጠቕመና። በኣዴታትና ዶ ኣይኮናን ወፂእና? ባሀሊ ናይ ኣደታተና ዶ ኣይ ኮነን ዘለና? ወይስ ደቂ እዚ ዓዲ(ተጋሩ) ኣየኮናን? እንታይ ማለት እዩ እቲ ሓደ ንቲ ኻሊእ ድዩን ዝገብሮ ካሊአ ድማ ንቲ ካሊእ ከምኡ ዝጥቅኖ፣ ካበይ ዝመፀ እዩ?

ብዝኾነ ከምታ እተን ኣዴታትና ዝብለኣ(እቶም ሙሁራት ዝገጠምዋ ከም ኣብነት ዘልዐልናየን) ብኣፍና ሕማቕ ከይወፅእ፣ ኣአምሮና ቅዱስ ጥራሕ ክሓስብ፣ ተግባርና ብኡ ልክዕ ፅቡቕ ክኸውን እንተገበርና ኸ? ከምኡ እንተኾይኑ እንርበሐሉ እንበር እንጉድአሉ ነገር ኣይህሉን እብል።

  1. 5)   ቁዘማን ምንፅርፃርንባህልና ኣይኮነን፤ ፀገማትና ንምፍታሕ በረደግ ንበል፤

ህዝቢ ትግራይ ፀገማት እንተጋጥምዎ ኮፍ ኢሉ ዘስቈቁንን ዝቑዝምን ህዝቢ ኣይኮነን፤ ታሪክና እዙይ ኣየርእየናን። ዘለው ፀገማት ኣነፂርና ንምፍታሕ ኢና ክንተግህ ዘለና። ትግራዋይነት ቀይዲ በቲክኻ ፈንፂሕኻ ምውፃእ እምበር ብኹነታት ተቐይድካን ተሰንኪልካን ምትራፍ ኣይኮነን፡፡ ትግራዋይ ፀገማቱ ምፍላጡ የሐርኖ እምበር ተስፋ ኣየቑርፆን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብወነ፣ ብሕራነ፣ ብኒሕ፣ እምቢ ኢሉ ብምውያን ኣፀጋሚ ኩነታት በታቲኹ ይወፅ እምበር ኣይምበርከኽን፡፡ ህልውን ሕልፉን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እዙይ ኢዩ ዘምህረና፡፡ ተጋሩ ኣይሽኳይዶ ንትግራይስ ንዛ ዓዲ እው ተሪፎም እዮም፡፡

  1. 6)  ሙሁር መንእሰይ ፍሉይ ተልእኾን ሓላፍነትን ከም ዘለዎ ፈሊጡ ክንቀሳቐስ ኣለዎ!

ሎሚ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ ካብ ናይ ትማሊ ዝነበረ ሓይሊ ወይ ካብቲ ክልውጦ ዝድለ ዘሎ ሓይሊ ዝበለፀ ዓቕሚ ዘለዎ ክኾን ይግባእ። ነቶም ንውድብ ኣብ ርእሳ ኮይኖም ዘጭንውዋ ዘለው፤ ብፍላይ ድማ ኣብ በለካን ለኽዐካን ተሸሚሞም ወረ እናመላለሱ  ውሽጢ ውሽጢ ከም ፍልሖ ዝበልዕዋ ዘለዉ ሰባት ምቅላዕ ናይ ሞትን ሕየትን ተግባር ምኳኑ ማንም ክርድኦ ይግባእ። እዚ ስርዓት ብሓዱሽ ገዛኢ መደብ ብደንቆሮ ቢሮክራሲ ከይተዋሕጠ ክነድሕኖ ይግባእ። ነቶም ናይ እማን ተቓለስቲ ኣወጊዱ ቅንጣብ ደም ዘይብሉ ኣካቢ ክራይ ስልጣን እንተብሒቱ ንሕስያ ዝብሃል ነገር ትርጉም ክስእን እዩ። ልምዓት ዝብሃል ነገር ትምኒት ጥራሕ ክኸውን ይኽእል። ሓፋሽ በብደረጅኡ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ልምዓት ዘይኮነስ ነቲ ሃፍታምኣካቢ ኪራይ  ዘህፍትም ነቲ ድኻ ዘድኪ፤ ሓፋሽ እናተንጠብጠበ ዝወርድ ትርፍራፍ ዝልምነሉ ኢኮኖሚ እዩ ክህነፅ። እዙይ ድማ ኣብ ሑፃ ከም ዝተሰረተ ደብሪ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ሃደሽደሽ ኢሉ ዝፈርስ አዩ።

መፍትሒ ግን ኣብ ኢድና አዩ።  ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ውራይና ፃድቃን ጀቤን ከም ዝበልዎ “መንእሰይ ትግራይ ንዝደለዮ መማረፂታት ባዕሉ ተሊሙ፣ ወጢኑ ዝተወደበ ምንቅስቃስ ክጅምር አለዎ፡፡  እዚ ትውልዲ  እዩ ብዋናነት ንዛ ዓዲ ዘድሕና።  ካብ አያታቱ እሱ ዝደልዮን ዝተንተኖን ወስዱ፤ እቲ ዋና ነገር ግን ካብ ባዕሉ ዝምንጭው እዩ። ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንጡፍ ተሳታፊ ኮይኑ ዘሎ፤ ውፅኢት ንምምፃእ ብዝተወደበ መልክዕ ( እንተይ መሰየ እዩ ክኸውን ዘለዎ) ክነጥፍ ኣለዎ፡፡እዚ ድማ  ይኽእሎ እዩ፤ ምኽንያቱ፦ 1) ንቓልሲ ዝተቀረበ ህዝቢ ስለዘሎ፤ ህዝቢ ትግራይ በቲ ሕዚ ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ሕጉስ አይኮነን ጥራይ ዘይኾነ መሰረታዊ ለውጢ ይደልይ ከም ዘሎ እምኒ እንተዘይደርበየ፣ ንብረት እንተዘየቓፀለ እውን አብ ዝተፈላለየ መድረኻት ከምዝገልፆ ለውጢ ይደልይ እዩ፡፡ ቅሩብ እዩ እውን፡፡ 1967 ዓ.ም ንዕጥቂ ቓልሲ ተዳልዩ ከምዝነበረ፤ ኣብዚ እዋን ድማ ንሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ተዳልዩ አሎ፡፡ 2) ምግዛእ ዝአበዮ መሪሕነት ስለ ዘሎ፤  ሰብ ስልጣን ትግራይ ራእይ ዘይብሎም ፖለቲካዊ ኩነታት ምርዳእ ዝአበዮም ግልፂ ዕላማ ዘይብሎም አብ ዕንይንይ ዝነበሩ ኮይኖም፤ ሓደ ዝገብሮም ዕላማ ስለዜብሎም ተጎጃጂሎም ናይ ህዝቢ ረብሓ ዘይኮነ፤ ማእኸል ዝገብርዎ ስልጣን ምንዳይ ኮይኑ ነንሕድሕዶም ዘይተአማመኑ፤ ብፀረ ዴሞክራሲያዊነት፣ ብቅዓትን ወነ ምስኣንን ብናይ መንግስቲ ስልጣን ንውልቆም ብምጥቃም አተሓሳስባ ዝተገምገሙ ተጎሊቶም ንርኢ አለና፡፡ እዞም ሰብ ስልጣን ዓቕሊ ፅበት (desperate) ዘጥቀዖም ኮይኖም አለው፡፡ ንብዙሕ ዓመታት ቆላሕ ኢሎምዎ ዘይፈልጡ ህዝቢ ሕዚ ክሽንግሉ ይንቀሳቐሱ አለው፡፡ ብዝግባእ እንተይተዳለው አብ ከተማታት ይኹን ገጠር ዘይትግበር ተስፋ ይህቡ አለው፡፡ ህዝቢ ይፈትወና አሎ ክብሉ ሰልፍታት የሪኡና አለዉ፡፡ እቶም መሰረታዊ ናይ ህዝቢ ሕቶታት እናሓብኡ ፅቡቕ ከም ዝገበሩ ጎብለል ይብሉ አለዉ፡፡ 3) ዕቑር ዓቕሚ ዘለዎ ሙሁር መንእሰይ ስለዘሎ፤ ስለዘይተወደበ መሪሕነት መንግስቲ ትግራይ ክሕዝ አይካአለን፡፡ እቲ አፋፍኖት ግን ዘተባብዕ እዩ፡፡ አብተን ዝረከብወን ዓውድታት (forum) ንአብነት ማሕበራዊ ሚዲያ ብድፍረትን ተገዳስነትን ዘሎ ተሳትፎን እቲ ዝበዝሕ ቡስል አንፈታት ዘርኢ ብምኳኑ እቲ ናይ ቅድሚት መሪሕነት ዘርኢ እዩ፡፡ እቲ ኩነታት ንውዑይ ቓልሲን ተወፋይነትን መንእሰይ ይሓትት አሎ፡፡ ህዝቢ መሰላቱ ብዝበለፀ ከረጋግፅ አብ ዝቃለሰሉ እዋን፤ ሰብ ስልጣን ትግራይ ምግዛእ አብዎም ሕኹትኹት እንትብሉ፤ አብቲ ውድብ ዘሎ አብ ላዕለዎት ዓብያተ ትምህርቲን አብ ቢሮክራሲ ዘለዉ ዴሞክራሲያዊያን መንእሰያት ዓቕሞም ጠሚሮም ደረጃ ብደረጃ እናተወደቡ ናብ ዝለዓለ ዉዳበ ምስግጋር ይከአል እዩ፡፡”

ከምልጥ ዘይግበኦ ግዜ ከየምለጠን ካሊእ ዘየድለ ክሳረ ከየስዐበን ንጠቐመሉን ንፅቡቕ ሕብረተሰባዊ ለውጥን ንጠቐመሉን ኢና ንብል ዘለና ደጋጊምና። ይከኣል እዩ ድማ ከምቲ እቶም ጀነራላት ዝበልዎ።

ክእረሙ ዘለዎም ነጥብታት እንትነልዕል ድማ፦

  1. 1)    ኣነ እየ ዝፈልጠልካ ዝብል ዕቡይነት ነወግድ!

እዙይ ብወገን መሪሕነት ገዛኢ ውድብ ይኹን ብወገን እቲ ለውጢ የድሊ እዩ ኢሉ ዝነጥፍ ዘሎ መንእሰይ ዝርኣይ ዘሎ ዘየድሊ ዝንባለ እዩ። ኣነ ኢየ ዝፈልጠልካን ዝውስነልካን ዝብል ዕቡይ ኣረኣእያን ኣካይዳን ኣብ ትግራይ ኣብ ኩሉ ዘፈራትን ቤት ዕዮታትን ዝተለመደን ከም ባህሊ ዝማዕበለን ዝገንገነን እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ኣስፋው ገዳሙ ከም ዝበሎ እዞም ዕቡዩያት “ንትግራዋይ ካባና ንላዕሊ ዝሕለቕ የለን ዝብሉ ተጋሩ ኣለው፡፡ትግራዋይ ክንዲ ድላዩ ይበደል ካብታ ንሕና ዝፈቐድናሉ ንላዕሊ ዓው ኢሉ ከእውይ የብሉን ኢሎም ይኣምኑ፡፡ኣበይ ከም ዘሕመካን ከም ዘሳሕየካን ንሕና ኢና እንፈልጠልኻ ይብልዎ፡፡እግረይ ኣሳሕይኒ እንትብል፣ ኣይ ኢድካ እዩ ዘሳሕየካ ዘሎ ይብልዎ፡፡ኣብ ዘየሳሐዮ ኣካሉ ንክሓክኽ ፅዕንቶ ይገብሩሉ፡፡ባዕሎም መርመርቲ፣ ባዕሎም መድሓኒት ኣዘዝቲ ክኾኑ ይደልዩ፡፡ነቲ ዝኣዘዙዎ ኹሉ ተቐቢሉ ዝፍፅም ‹‹ፅሩይ ትግራዋይ…ወዲ ላሕምና›› ይብልዎ፡፡ካብ ትእዛዞም ወፃኢ ንዝኾነ ግን ተጎጂሎም ክሓዲ ዝብል ፀለሎ ይልጥፍሉ፡” ኢሉ ይገልፆም ኣስፋው።

ብዛዕባ መንግስትን ሃገርን ብዘይካ ንሶም ካልእ ዝሓስብን ክሓስብ ዝግበኦን ከም ዘሎ ዘይቕበሉ፤ ንሕና እንተዘይንህሉ ፀሓይ ኣምበረቐትን፤ ፅሩይ ኦክስጅን ኣምሃለወን ክብሉ ዝህንደዱ፤ ፀገም እንተሃልዩ እውን ብሰንኪ ካልእ ደጋዊ ኣካል እምበር ብሰንክና ፍፁም ከጋጥም/ክኾን ኣይክእልን እናበሉ ዝልፍልፉ፤ ስራሕትና ኣዝዮም ውፅኢታዊ፣ በሰር ዘይብሎም፣ ፅፉፋትን እኹላትን እዮም ኢሎም ዝካትዑ፤ኣብቲ ዝተሰርሐ ስራሕ  እዚኣ  ጎዲላ እሞ ትስተኻኸል እንተይልካ ቀልጢፎም ከም ፀላኢ ዝፍርጁ……ወዘተ ክንቃለሶም ዝግባእ እዮም።

  1. ብዘመዝገብናዮም ዓወታት ንዓግብ ከይንህሉ ንጠንቀቕ!
  2. ኣብ ሕለፍ ታሪኽ ጅግንነት ምንጥልጣል ጠጠው ነብል
  3. ንዚ መንእሰይ ወለዶ ኣይንፍረሓዮ
  4. ንደማመፅ፣ ንህዝቢ ነዳምፅ
  5. ሚድያ ትግራይ ካብ ንውለቀ ሰብ መሰርሒ ፕሮፖጋንዳነት ወፂአን ኣብ ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ከቃልሓ ንቃለስ
  6. መድረኽ ለውጢ ከየምልጠና ወይ ብዘይ ኮነ ሓይሊ ከይጭወ ንጠንቀቕ
  7. ሓቂ ዘይኮኑ ግን ከም ሓቂ ዝውሰዱ ዘለው ነገራት ንኣርሞም
  8. ሽም መራሕትናን ጀጋኑንናን ብንእሽተይ ጉድለታቶም እናኣተና ኣይነናሹ፤ ኣይጠቕመናን፤ ካብ ጎረባብትና ንመሃር
  9. መድረኽ ክትዕ ነማዕብል፤ ዴሞክራሲ ካብ ዝኾነ ሓይሊ ተወሃቡ ዝምዕብል ኣይኮነን
  10. ኣብ ደቀቕቲ ነገራት ኣይነትኩር፤ ሓፈሻዊ ነገራት እንትንርኢ እቲ ንእሽተይ ነገር እግረ መንገዱ ይፍታሕ። ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝሓልዩ፣ ንግፍዒታት ህወሓት ዝቃወሙ ዝመስሉ፤  ግን ዕላማኦም ኣንፈት ምስሓት ዝኾነ ነለልዮም፡፡ ነቶም መሰረታውን ዓበይትን ዛዕባታት ገዲፎም ኣብ ዘይረብሑ ጉዳያት ሕቱኽቱኽ ዝብሉ ናብ ዓብዪ ዛዕባ ነደይቦም፡፡
  11. ሳይነሳዊ መንገዲ ንከተል፤ ኣብ ግምት፣ ወረን ሽርሕን ዝብሉ ነገራት ኣይነፀመድ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ነድህብ ንሱ አዩ ሳይነሳዊ
  12. ለውጢ ከይቆራረፅ ንፅዓር፤ ኣብቲ ዘለና ንወስኽ፤ ካብ ዜሮ ምጅማር ክህሉ የብሉን። ካለኦት ዝማዕበላ ዓድታት ተሞኩረአን ንርኣይ
  13. ኣንነትን ነሃተይ ግደን ዝብል ነወግድ፣ ንቃለሶ ሕማምና እዩ
  14. ዘይግበኦም ውሱናትን ወሰንትን ፈሊና ወቕዕና ስልጣን ናብ ህዝባውያን ንመልስ

ወዘተ።

*ኣብዚ ፅሑፍ፦

  • “ፖለቲካዊ ትምህርቲ” ዝብል ናይ ገድሊ ፅሑፍ
  • “ማየት የማይችል አእምሮ ሃገር ያጠፋል፤ በዕውነተኛ ፍልስፍና የማይመራ አገዛዝ ህብረተስብን ይበታትናል!!” ፤ “የምንፈልጋቸው ነገሮች ነገር ግን ደግሞ ሂደታቸው የጨለሙብን !!ግልጽ መሆን ያለባቸው መሰረተ-ሃሳቦች!!” ዝብሉ ናይ ዶር ፍቃደ በቀለ ፅሑፋት
  • “የጥላቻ-ፖለቲካ ለኢትዮጵያ ህልውና ጠንቅ ነው”  ኣብርሃም ያየህ
  • Maslow’s Hierarchy of Needs
  • ዝተፈላለዩ ሕታማት መፂሄት ውራይና
  • “Principles of Social Transformation” and  “Steps toward Social Transformation” by  Jay Earley, PhD
  • ‘Theoretical Writings’ by Schiller, Friedrich.
  • “ታሪክ ትርክትና ታሪካችን፡ በግዛው ዘውዱ

*ዝብሉን ካልኦትን መወከስቲ ፅሑፋት ተጠቒመ እየ።