ምስንዳእ፡ ገላዲዎስ ኣርኣያ (ዶ/ር)

ትርጉም፡ ኣቤል ጉዕሽ

 

እዚ ፅሑፍ እዚ ንህልው ዝተሓላለኸን ዝተወሳሰበን ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዲያስፖራኣን ተበፃሒ ይገብር። እዚ ንምግባር ድማ ሓደሓደ ስነ ሓሳባውያን ሓተታታት እናልዓልካ ንፁርነት ንዝሓረሞ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዲያፖራኣን እናልዐለ ሕማቕ ባህሊ ፖለተካ ዓድና ናብ ዕርቀ ሰላምን ነባር ሃፍታም ሃገር በቆል ባህሊ ፖለቲካን ዝቕየረሉ መንገድታት እውን ይሕብር። ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ፖለቲካ ዝተዘረገ ንክኸውን ዝገበረ ምኽንያትን እቲ ዝርጋን እቲ ናብ ገለ ተቓወምቲ ውድባት ውሽጢ ዓዲ ክኣትው ዝኸኣለሉ መንገድን እውን ንምርኣይ ተፈቲኑ ኣሎ።   

FB IMG 1499797036960

ፈለማ “ፖለቲካ ዲያስፖራ” ብዝብሃል   ፖለቲካዊ ኩነታት ጀሚረ ካብኡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባት ክቕፅል እሞ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ዝተወሰነ ክብል እየ። “ብዝብሃል” ዝበልኩሉ ምኽንያት ንምንእኣስ ደልየ ዘይኮነስ ከምቲ ንሳቶም እውን ኣብ ዋዕላ ስያትል (ካብ 27-28 ሜይ 2017 ዝተኻየደ) ዝበልዎ ናብ ሓደ ጠንካራን ዝተወደበን ሓይሊ ክመፅእ ዘይከኣለ ምንቅስቓስ ብምዃኑ እዩ። ፖለቲካ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ይትረፍ ዶ ሓደ ጠንካራ ዝተወደበ ሓይሊ ክፈጥሩ እቲ ኢትዮጵያውነት ዝብሃል ነገር እኳ ባዕሉ እናገደፍዎ ዝኸድሉ ኩነታት ኢኻ እትዕዘብ። ሓደ ማዕረ ዝገብሮምን ዘይነፃፅሉሉን ነገር እንተሃለወ “ወያነ” ንዝብልዎ ነቲ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎም ግኑን ፅልኢ ጥራይ እዩ። ብዘይካ እዚ ሓደ ዝገብሮም ፅልኣት “ወያነ”፤ ትካላዊ ኮነ ስነ ሓሳባዊ ዝምድና ኣይብሎምን፤ ካብ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ጋምቤላ ክሳብ ውድባዊ ኣፈላላያት ማለት እውን ኣርበኞች/ጉንበት ሰባት ወዘተ ይፈላለዩ።

እዞም ኣካላት እዚኦም ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዘረባን ፕሮፖጋንዳን ተፀሚዶም ተቐሚጦም ክሳብ ሕዚ ጥብ እትብል እትረብሕ ኮነ እትጭበጥ እዚኣ እትብሃል ውፅኢት ኣይኣርኣዩን። ይኹን እምበር ኩሎም ኮነ ነብሲወከፎም ንዝብልዎ ኹሉ ሕሾትን በለካ ለኸዐካን ዝጠቅም ፕሮፖጋንዳ ማሽን ኣይሰኣኑን፤ ኢሳት! ቁፅሪ ዘይብሎም ኣኼባታት ይካየዱ። ኩሎም ድማ ንሕዱር ፅልኢት መሰጎሚ ድኣ እምበር ንለውጢ እንትበቕዑ ኣይተርኣዩን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተግባራዊ ዝኾነ ህዝቢ ናይ ምንቃሕ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ የድሊ። እዚ ወዲ እዚ ዝወለዶ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መሰከፊ ዘርኣዊ ፖለቲካ ብገዚፍ መነፅር ኢትዮጵያዊ ምንቅስቓስ (Ethiopian Movement) ክቕየር ክኽእል ኣለዎ።

ካልእ ኣፀጋሚ ኩነት ፖለቲካ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ዝኸውን ዘሎ ጅኦግራፍያዊ ራሕቕን ገዚፍ ድጋፍ ክርከበሉ ካብ ዝኽእል ህዝቢ ኢትዮጵያ ምብታኽ ዝምድና ምህላውን  እዩ።  ብፍላይ እቲ ዝድግፈካ ኣካል ክተጥሪ ዘይምኽኣል ነቲ ምንቅስቓስ ከቢድ እዩ ዝገብሮ። ከምኡ ኮይኑ እውን ግን ገሊኦም ምንቅስቓሳት ፖለቲካ ድያሰፖራ ምስ ኣብ ውሽጢሃገር ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባት ንኣብነት ምስ ከም ኣንድነትን ሰማያውን ርክብ ንምምስራት ፈተነታት ይገበሩ እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ኣብ ጎንደርን ኦሮምያን ዝተርኣዩ ተጓንፎታት ተዛሚዱ ዝልዓል ኔትወርካዊ ኢድ እውን ኣለዎም። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (OLF) ኮነ ኣርበኞች/ጉንበት ሰባት ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ኣብ ዝነበሩ ናዕብታት ኢድ ከምዝነበሮም ባዕሎም ተዛሪቦም እዮም። ይኹን እምበር እቲ ኢድ ኣእታውነቶም ሕዚ እውን ብርቀት ክርአን ብዕምቆት ክትንተንን እዩ ዘለዎ። ኣብ ክልቲኡ ዝተጠቐሰ ክልላት ናዕብታት ምንባሮም ዝክሓድ ነገር ኣይኮነን። ኮይኑ ግን እቶም ናዕብታት ከምቲ እቶም ሰብ ኣፍ ዝብልዎ  ህዝባዊ ናዕብታት ነይሮም ምባል ይኸብድ እዩ። ንኣብነት ኣብተን ናዕቢ ዝተርኣየለን ክልላት ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ሽዋ፣ ወሎ፣ ጎጃም (ብዘይካ ባህርዳር) እዚ ዝበሃል ምንስቓስ ወይ ናዕቢ ኣይነበረን። ዋላ እውን ኣብ ኦሮምያ ኣብ መላእ ኦሮምያን ብኹሉ ህዝቢ ኦሮሞን ዝነበረ ናዕቢ ኣይኮነን።

ኣብ ታሪኽ እቲ ብሃገር ደረጃ ተኻይዱ ዝበሃል ናዕቢ (ዋላ እኳ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ይጨወ እምበር) እቲ  ኣብ ዘበናዊት ኢትዮጵያ ብ1974 (ከም ኣ.ኤ) ዝተኻየደ ናዕቢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ።

 ስለዚ ህልዊ ኩነታት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ፣ ፖሊሲታት፣ ባህርን ፕሮግራማትን እቲ መራሒ ውድብ (ኢህወደግ) ብግቡእ ምስእትርኢ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ (ፖለቲካ ዲያስፖራ) ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ነገር ዝተረፎ እዩ ዝመስል። እቲ ዘሎ ባይታ ኣዪፈልጦን። ህልዊ ኩነታት እቲ ፖለቲካዊ ፀወታ እፃወተሉ ሜዳ ዘይምፍላጥ ድማ ምስቲ ለውጢ ከምፅኣሉ እየ ኢልካ እትሓስቦ ህዝቢ ኮነ ዓዲ ነባራውን ንቡራውን ዝምድና ከይፈጠርካ ትተርፍ። እቲ ሕዚ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ድያስፖራ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ እውን እዚ እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ኣሸንባይ ዶ ዝርዝር ባህርታትን ተፈጥሮን ኢህወደግ ክፈልጥስ ፖለቲካዊ ባይታ እታ ሃገር እውን ከለሊ ኣይከኣለን።

 እቲ ናይ ዲያስፖራ ኣካል ፈለማን ቅድሚ ኹሉን ክፈልጦ ዝግባእ ዝነበረ ህወሓት (ወያነ) ዓብላላይ ሓይሊ ናይ ኢህወደግ ሓደ ኣካል ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት ግን በይኑ ሃገር ክመርሕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ብኣዴን፣ ኦሀዴድ፣ ደህዴን ማዕረ ስልጣንን ሓበራዊ ውሳነን ዘለዎም ኣካላት ምዃኖም ብጉሓቱ ክርድኦም ይግባእ ነይሩ። እቲ ናይ ዲያስፖራ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ሓይሊ ግና ብዘርኣዊ ትንታነ ፖለቲካ ሓሚሙ ስለዝፀንሐ እዚ ሓዱሽ ናይዛ ሃገር ኣካይዳ ክርእዮ ኣይከኣለን፤ ወይ ክርእዮ ኣይደለየን። ስብጥር ፖለቲካዊ ውዳበታት እንዳ ኢህወደግ ክርድኦ ኣይከኣለን። ኣብ ልዕሊ እዚ ዘይከምቲ ዝኣረገ ‘ስልጣን ካብ ገዛኢ ሓይሊ ይፍልፍል’ ዝብል ልሙድ ማርክሳዊ ባእታ፤ ሓይሊ ብብዙሓት ክውነን ዝምዕድ ስነ ሓሳብ ፉከልት (Foucault’s Paradigm) ይትግበር ከይህሉ ምርኣዩ ኣገዳሲ ምኾነ ነይሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ትንታነ ፋከልት ፓራዳይም ምርኣይ ንገዛኢ ሓይሊ ክውሃብ ዝኽእል ናይ ስልጣን ብርኪ ክንደይ ዝኣክል ክኸውን ከምዘለዎ ንምርኣይ ሓጋዛይ እዩ። ንሱ ከምዝብሎ ስልጣን ናብ ወነንቲ ስልጣን ብማዕረ ይዝርጋሕ። በዚ ሎጂክ እዚ ድማ ህወሓት ንበይና ብፍሉይ እትብሕቶ ስልጣን ኮነ በቲ ስልጣን ኣቢላ እትገብሮ ስራሕ ኣይክህሉን ማለት እዩ።  እቶም ሕጊ ዝጥሕሱ ኣካላት ኣብ ቁንጭዕቲ እቲ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት ጥራይ ኣይኮኑን፤ ኣብ ኩሉ ብርኪ ስልጣን እቲ መንግስቲ ዘለዉ እዮም። ኣብ መወዳእታ እዚ ፅሑፍ ናይዚ ምሁር ሓሳብ ትንትን ኣቢለ ከቐምጥ እየ።

እቲ ናይ ድያስፖራ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንባዕሉ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነት ከምዘሎ ከይኣፅንዐ ህወሓት/ኢህወደግ ከም ሓደ ዘርኣዊ ፀቢብ ሓይሊ እዩ ዝሓስቦ። እዚ ናይታ ህበይ ዛንታ እዩ ዘዛኻኽር። እታ ህበይ ናይ ባዕላ መቐመጫ ከይርኣየት መቐመጫ ዓርካ ርእያ እያ ዝሰሓቐት። ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንስቓስ እምብኣር ኣብ ዘርኣዊ ፖለቲካ ዝተመስረተ ሓዞ በዞ እዩ። ኢትዮጵያዊ ዝብሃል ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ገዚፍ ሕቶ ምልክት ወዲቑ ዝሓዞ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ባህርን ፖለቲካዊ ድልየትን (ኣጀንዳ) ናብ መቓብር እናኣተወ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ንኣብነት ኣብ ስያትል ኣብ ዝነበረ ኮንፈረንስ ዳዊት ዓብዪ ናይ ኣድህቦት ነጥቡ ዝነበረ ኣድላይነት ውድብ ኣምሓራ እንትኸውን ንህዝቢ ኦሮሞ ወኪሉ ዝተብሃለ ለንጮ ድማ መንነት ህዝቢ ኦሮሞ ክሕሎ ከምዝግብኦን እዚ ድማ ምስ ኢትዮጵያዊ ዝብሃል መንነት ክተዓርቕ ምግባር ከምዘድልን ተዛሪቡ። ዳዊት እንትውስኽ “ኣምሓሩ እንድሕር ድኣ ዘይተወዲቦም ኦሮሞ ክጉድኡ እዮም።”  ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወግዒ ጌታቸው በገሻው ሓድነት ኦሮሞን ኣምሓራን ሰበኸ። ካብኡ ንቀለዓለሙ ሃገራዊ ምንቅስቓስ (Ethiopian National Movement) ክህሉ ድማ ፃውዒት ኣቕረበ። እዚ እንትብል ስም ዓድታት ጠቒሱ ነይሩ፤ ዓፋር፣ ሲዳሞ፣ ጋምቤላን ካልኦት ብሄርን ብሄረሰባትን ኢሉ። ትግራይ ግን ኣይበለን። እቲ ዝገርም ከኣ ትግራዋይ ኣረጋዊ በርሀ ድማ ናይዚ ናይ ስያትል ጉጅለ ሓደ ኣካል ምዃኑ እዩ። ጌታቸው ምስ ኢሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ ምልልስ “ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን ክልል ንላዕሊ ተጠቃሚት ትኸውን ኣላ። ብምዃኑ እውን ብሕርሻ ካብ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ እያ።” ብምባል ኣብ ባይታ ዘየለ ሓቂ ይዛረብ።

ዘርኣዊ ፖለቲካ ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣይግደስን። ሕብረ ብሄራዊት ዓዲ ኣይእንታዩን። ገሊኦም ተዛረብቲ ንኣብነት በዓል በያን ኣሶባ ሕንቁቕን ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ዘረባ ይዛረቡ። ንኣብነት ንሱ ከምዝበሎ ኢትዮጵያ እንድሕር ፈሪሳ ቀዳማይ ዝጉዳእ ህዝቢ ኦሮሞ እዩ።  በያን ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘለዎ ገምጋም ርገፀኛ ኮይኑ ክኾን ይኽእል ዘቕርቦ ዘሎ። ይኹን እምበር ግደ ጎረቤት ዝተረደኦ ኣይመስልን።

   ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይንካ እንትትርእዮ እቲ ቄናን ፍታሕ ፖለቲካል ፕሮግራም ዘርኣውያን ፖለተከኛታት፤ ጥሙር ሓይሊ ኦሮሞ-ኣምሓራ ንጥፍኣት ትግራይ ዝብል እዩ ኮይኑ። ምኽንያቱ ድማ ካብ ሰናይ ጉሓቱ ቀንዲ መራኸቢ ፈትሎም ፅልኣት ‘ወያነ’ ስለዝነበረ እዩ። እኳ ድኣስ እቲ ፅልኣት ሕዚ ሕዚ ሓደ ደረጃ ንላዕሊ ወሲኹ ኣንፃር ወያነ ዘይኮነስ ኣንፃር ትግራዋይ እንትኸውን እውን ተራእዩ። እዚ ሸውራር ዝዓይኑ ፖለቲካዊ ፍታሕን ቄናን ዝመንገዱ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ፖለቲካ ድያስፖራ መወዳእትኡ ጥምረት ኢትዮጰያ ምምፃእ እሞ ይትረፍ ንባዕሉ ተኸፋፊሉ ናብ ዘይነበረ ዝምለሰሉ ዕድል እዩ ዘለዎ።    

ኣነ ክሳብ ዝርድኣኒ ዝኾነ ይኹን ናብ ትግራይ ዘቕንዐ ጎባጥ ኣካይዳ መወዳእትኡ ውድቀት እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ትግራይ ዓምድን ዋልታን ኢትዮጵያ ብምዃና ጥራይ ዘይኮነስ ዘርኣዊን ፅልኢታውን መሰረት ዘለዎ ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓስ ብኹሉ መለክዒ ፀረ ኢትዮጵያ ብምዃኑ እውን እዩ። ዝኾነ ይኹን ኣንፃር ሓደ ብሄር ዝልዓል ዘርኣውን ፅልኢታውን ሓይሊ (ዋላ እውን ካብ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ ይኹን ካልእ ብሄር) ኣንፃር ኢትዮጵያውነት እዩ። ብተመሳሳሊ ክብደት ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝግበር ዘይግቡእ ወይ ግጉይ ኣጠቓቕማ ባንዴራ ኣንፃር ኢትዮጵያውነት ወይ እውን ስድነት እዩ። ኤርትራውያን 26 ሜይ መዓልቲ ናፅነቶም የኽብሩሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ኣደባባይ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝበፅሐ ውርደት ነይሩ። ተጋደልቲ ጉንበት 7 ግን ካብቶም ኣብቲ እዋን ኸቢቦም ዝርእዩ ዝነበሩ ሰባት እዮም። እዚ ኹሉ እንትጥመር እቶም ብስም ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ናይ ዲያሰፖራ ፖለቲከኛታት ኮነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ናታቶም ኣካላት ካብዚ ዘርኣውን ፅልኢታውን መንፈስ ፖለቲካ ክወፅኡ እንተዘይክኢሎም ኣብ መወዳእታ ባዕሎም ንባዕሎም ተዋዲኦም ሰረት ኣልቦ ኮይኖም እዮም ክተርፉ።

 እቲ ሐዚ ዘሎ ናይ ድያስፖራ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መዘክር መወዳእታ ኦርጋኒክ ሊሂቃን ኢትዮጰያ እዩ። ‘ኦርጋኒክ’ ዝብል ቃል ኣብ ሓደ ንምስግና ኢትዮጵያውያን ሊሂቃን ዝምልከት “Saluting the Wonderful Ethiopian Intellectuals.” ዝብል ፅሑፈይ ተጠቒመሉ ነይረ። ፈለማ እዚ ቃል እዚ (Organic Intellectuals)  ዝተጠቐመ Antonio Gramsci ዝተብሃለ ምሁር እዩ። ኣነ ዝተቐምኩሉ መንገዲ ግን ካብ ናቱ ይፍለ እዩ። ብናይ ኣንቴንዮ ኣገላልፃ “ኦርጋኒክ ሊሂቃን” ዝብሃሉ ብቐጥታ ካብቲ ፖለቲካዊ ዓውዲ ወይ መንግስቲ   ዝወፅኡ ኮይኖም እቲ ስታስትስኮ ብዘለዎ ብዘይ ሓርጎፅጎፅ ክቕፅል ዝገብሩ ሓይልታት እዮም። ናተይ “ኦርጋኒክ ሊሂቃን” ግና ብኣንፃሩ ምስ ደሞም ዝርክቡ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበፅሑ፣ ግዱሳትን ውፉያትን ከምኡ እውን ኣብ ምስራፅ ኢትዮጵያውነት ዝደኽሙ ንሉኣላውነታን ድሕንነታን ዝሰርሑ ኣካላት ማለተይ እየ።   ብካልእ ኣበሃህላ እውን ህዝባዊ ሊሂቃን (public intellectuals) ዝብሃሉ እዮም። ኣዝዩ ብዘሕዝን ኩነታት ከምዚኦም ዝበሉ ኣካላት (ኦርጋኒክ ሊሂቃን) ኢትዮጵያ ኣይተዓደለትን። ስለዘይወለደት ዘይኮነስ ደርጊ ብቀይሕ ራዕድን ካልእን ፀራሪጉ ኣጥፊእዎም እዩ።  ብርክት ዝበሉ ናይ ደርጊ ኣካላት ድማ ሕዚ ኣባላት እቲ ክጥዒ ዘይከኣለ ዘርኣውን ፅልኢታውን ምንቅስቓስ ፖለቲካ ድያስፖራ እዮም። ዝበዝሑ ድማ መቐመጢኦም ኣሜሪካ እዩ።   

ኣብ ድስፖራ ኮነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ከቢድ ሰኣኖት ከምዚኦም ዝበሉ ኦርጋኒክ ሊሂቃን ንሓፈሻዊ ምንቅስቓስን ሃዋህውን ፖለቲካ ኢትዮጵያ ፀሊውዎ እዩ። እዚ ድማ ስነ ሓሳባዊ ኮነ መትከላዊ ንፁርነት (lack of ideological and political clarity) ክሳቐ ግድን ኮይኑዎ ኣሎ።  

እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካ ድያስፖራ ኣድቅቕ ኣቢልካ እንተርእይኻዮ ናይቶም ፀገማት ምልክታትን ውፅኢታቶምን ክትርኢ ኣየፀግን። ንኣብነት ኣብ ዋዕላ ስያትል “በሪ ሰለማዊ መንገዲ ዕርቀ ሰላም ብቐጥታ ክኽፈት ብምግባር ምስ መንግስቲ ብምዝርራብ ሰለማዊ ስግግር ክህሉ” ዝብል ዓይነት ዘረባ እዩ ዝነበረ። እዚ ወርቂ ሓሳብ እዩ። ይኹን እምበር እቲ እዚ ዘስፈረ ናይ ድያስፖራ ኣካል ኣባላቱ መንግስቲ ብሓይሊ ንምዕላው ዝወፈሩ በዓል ኣርበኞች/ጉንበት 7ን OLFን እዮም። ብምዃኑ ነቲ ሰለማዊ መንገዲ ዕርቀ ሰላም ዝበልዎ መንገዲ ቅሩባት ድዮም ኣይኮኑን ዝብል ኣተሓሳሳቢ እዩ። ከምዚ ኮይኑ እውን ንዕርቀ ሰላም ግዚኡ ረፊዱ ዝቐተረ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን እቲ ናይ ስያትል ጉጅለ ካብ ጭቡጥ ወድዓዊ ባይታ ንምብጋስ ነዊሕ ማይላት ምጉዓዝ ከድልዮ እዩ።   እዚ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባት ዝገብሮ ዘሎ እንትነፃፀር እውን ኣብ ነዊሕ ድሕሪታዊ ርሕቐት ከምዘሎ ምርዳእ ይከኣል። እዚ     ነቲ ኣብ ስያትል መንገዲ ዕርቀ ሰላም ዝበልዎ በሪ ክኽፈት ኣፀጋሚ ይገበሮ።

 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኩነታት ምስ እንርኢ ድማ መንግስቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዝገበሮ ዘተ ኣብ ዘበናዊ ፖለቲካ ዓድና ዓብዪ ፍፃመ ክብሃል ዝኽእል እዩ። ይኹን እምበር መድረክ ናይ ፖለቲካ ተሓላላኻይነትን ናይ ታሪኽ ለውጥታትን ከይተረደአ ነቲ ብፅቡቕ ጅማሮ ዝቕፅል ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ዘተ ኣቋሪፅዎ ወሰን ክሕዝ መሪፁ። ከምዝመስለኒ እዚ ምርጫ እዚ ድሕሪ እዋን ከናስሖም እዩ። ንሳቶም ናይ ዝርርብን ልዝብን ኣድላይነት ኣትሒቶም፣ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዝግበር ዘተን ምርድዳእን ንዒቖም ከይዶም። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከም ሓደ ዝተኸሰረ ዕድል ተገይሩ ይቑፀር።

 ቅድሚ 7 ዓመታት ኣቢሉ “ሃገራዊ ዕርቀ ሰላምን ሃገራዊ ምዕባለን ኣብ ኢትዮጵያ” (National Reconciliation and National Development in Ethiopia) ዝብል ሓደ ፅሑፍ ኣቕሪበ ነይረ። ኣብቲ ፅሑፍ እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሰፊሩ ነይሩ።  

“እዚ ፅሑፍ እዚ ተቓወምቲ ውድባትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣፈላላያቶም ብምፅባብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር፣ እቲ ባይታ ድማ ዘስርሕ ክኸውን፣ ክልቲኡ ደንበ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሉ ንምዕባለን ዕብየትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝጠቅም ርእሰ ጉዳይ ክዘራረብ ሓሳብ ዘቕርብ እዩ። ዕርቀ ሰላም፣ ሽምግልናን ዘተን እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ኣፅቢቦም ብሓደ ዝበራ ኣዕዋፍ ንምፍጣር ፃዕርታት ምግባር የድሊ።”  ዝብል እዩ ነይሩ።

 ልዕል ክብል ከምእተገለፀ ዋላ እኳ ምድንጓያት ይሃልዎ ኢህወደግ ብዉሑድ ተኸታታልቲ መደረኻት ልዝብ ኣብ ምግባር ፅቡቕ ክያዶ እዩ ከይዱ። በዚ ድማ እቲ ገዛኢ ውድብ ኣብ ምኽፋት በሪ ዕርቀ ሰላም ዕውት ነይሩ ምባል ይከኣል።

 ካብዚ ኣንፃር እዚ እንትንርኢ እቲ ናይ ዲያስፖራ ኣንቀሳቓሳይ ሓይሊ ፖለቲካ ምስ ኢህወደግ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሉ ክዘራረበሉ ዝኽእል ዕድል ኣይፈጠረን።  እኳ ድኣስ ምስ ኢህወደግ ንዘተ ኮፍ ምባል ከምዘይከኣል እዩ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዘዋዓዉዕ ዝነበረ።  ምስ ገዛኢ ውድብ ኢህወደግ ምልዛብ ማለት ዘይኣድላዪ ኣፍልጦ ከም ምሃብ እዩ ኢሉ እዩ ዝሓስብ እቲ ናይ ዲያስፖራ ፖለቲካ። እዚ ብክልተ መንገድታት ጌጋ እዩ። 1) ምስ ኢህወደግ ንምልዛብ ቅሩብ ምዃን ወይ ምልዛብ ንሓሳባትን ድልየታትን እቶም ተቓወምቲ ኣካላት ኣጀንዳ ዝገብር እዩ። ስለዚ ጉድኣይ ዘይኮነስ  ረብሓ ኣለዎ። 2) እቲ ናይ ድያስፖራ ኣካል ምስ ኢህወደግ ተላዘበ ኣይተላዘበ ብዘየገድስ ኣብ ስለጣን ዘሎ ሓይሊ ስለዝኾነ ብዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ፣ ብትካላት ዲሞክራሲ ምዕራብ ኮነ ብቻይና ተፈላጥነትን ኣፍሪካዊ ኣብነትን ዝኾነ ማሕበረሰብ ዓዲ ዝሃንፅ ዘሎ ሓይሊ እዩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተገለፁ ድኽመታት እቲ ናይ ድያስፖራ ተቓዋሚ ሓይሊ (ብዘይካ   EPRP ን EPRP) “ኢትዮጵያውነት” ዝብል ኣጀንዳ ሒዙ እዩ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ። ድሓር ድሓር ግና ኣብ ውሽጡ ናብ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ እዩ ኣትዩ። ኣብ ውሽጢ ናይ ኣምሓራ፣ኦሮምያ፣ ትግራይ ወዘተ ንኡሳት ድልየታውያን ፖለቲካታት እናተፈጠራ ከይደን። ሽዑ ነገር ተበላሽዩ።   ኣብዚ ክትሓዝ ዘለዎ ነገር ግና እንድሕር ንምትሕብባርን ንሰናይን ኮይኑ ዓርስኻ ብዘርእኻ ምውዳብ ዋላሓንቲ ፀገም ኣይብሉን። ፀገም ክኸውን ዝኽእል በዚ ኣቢልካ እቲ ናይ ኢትዮጵያውነት ኣጀንዳ እናቐተልካ ናብ ሕቱኽቱኽ ዝእተው እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ።    

እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ናይ ድያስፖራ ሓይሊ ካብታ ቅድሚ ሃገር ምዃና ደቡብ ሱዳን ሒዛቶም ዝነበረት ተቓወምቲ ኣካላት (Sudan People’s Liberation Movement/Army (SPLM/A) ብዙሕ ምምሃር ይኽእል እዩ።   ህዝባዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ሱዳን (SPLM/ A)ዝተወለደ ቅድሚ ምውላድ ሓዳስ ሃገር ሱዳን እዩ። እቲ ውድብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት John Garang ኮይኑ ዘንቀሳቕሶ ዝነበረ ሐሳብ ፓን ሱዳን ፕሮግራም እዩ። ብርግፅ እቲ ፕሮግራም መሰል ዓርሰ ውሳነ ደቡብ ሱዳን እውን ዝሓለወ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብ 2005 (ከም ኣ.ኤ) ምስሞተ ስዒቡ ዝመፀ ሳልቫኪር ብስሩ “ምግንፃል ደቡብ ሱዳን” ናብ ዝብል ሓፍ ኣቢልዎ። እዚ ዘስዓቦ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል ንኩሉ ርዱእ እዩ። ካብዚ ምግንዛብ ዝከኣል ነገር እንተሃለወ ሓደ ሓይሊ ዘርኣዊ እናኾነ ምስ ዝኸይድ ዝኽተሎ ገዚፍ ናይ ህልቂትን ምጥፍፋእን ምዕራፍ እዩ። ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንድሕር ድኣ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ዘጋጥም ኮይኑ ናይዚ ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል ኣካል እቲ ዘርኣዊ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ እዩ።

 ብዛዕባ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ-ኢህወደግ ኸ?

ምስ ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ እዚ ፅሑፍ እዚ ተኣሳሰሩ ብወገን ኢህወደግ ዘሎ ኩነታት ልክዕ ከምቲ ብወገን ተቓዉሞ ናይ ዘሎ ኩነታት ዝትርኣየ ብዝርዝር ምርኣዩ እውን ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን።  ልክዕ ከምዝኾነ ካልእ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኢህወደግ እውን ድኹምን ምዕቡልን ጎንታት ኣለውዎ። ብምዃኑ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝገብሮን ዝምችወንን በቶም ምዕቡላት ጎንታት ክጅምር። ስለዚ እዞም ዝስዕቡ እቶም ምዕቡላት ጎንታት ኢህወደግ እዮም።

  

1.       ንኩሉ ማዕረ ክርአ ዝገብር ዋላ እውን እቶም ኣብ ወሰናወሰን ዘለዉ ብሄረሰባት እውን ዝውንንዎ ፌዴራላዊ ስርዓት ምህናፁ  

2.      ክንዲ ዝከኣሎ ተቓወምቲ ውድባት ተመዝጊበን ብሕጊ ክንቀሳቐሳ ምግባሩ   

3.      ኣጀንዳታት ልምዓት ሒዙ ምንቅስቓሱ ነዚ እውን ልምዓታዊ መንግስቲ ክህነፅን ብትልሚ ለውጥን ስግግርን ተሓጊዙ ክኸይድ ምፅዓሩን።   

4.        ኣብ ክሊ እቲ ዝሓንፀፆ ዝምስገን ትልሚ ለውጥን ስግግርን ኮይኑ 35 ዩኒቨርስታት ምህናፁ፣ ብርክት ዝበሉ ፅርግያታት፣ ድልድላትን መንገድታት ባቡርን ምስርሑን ይሰርሕ ምህላውን።

5.       ሕዚ እውን ኣብ ክሊ ትልሚ ለውጥን ስግግርን ኮይኑ ኢትዮጵያ ካብ ድሑር ቁጠባዊ ኩነታት ኣውፂኡ ኢንዳስትሪ ናብ ዝመርሖ ቁጠባ ክትሰጋገር ይሰርሕ ምህላዉ፤ ነዚ ድማ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ  ብርክት ዝበሉ ህንፀታት ሓይሊ ምክያዱ፣ ዝተፈላለዩ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ስርሓቲ ምትእታዉ፣ ኣብ ገጠራት ኢትዮጰያ ሰፊሕ ዝርግሐ ትምህርትን ጥዕናን ክህሉ ምግባሩ።

 6.       ናይ ኢትዮጵያ ልምዓታዊ መንግስቲ ዓይኒ ብዙሓት ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ብፍላይ ድማ ሰብ ሃፍቲ ቻይና፣ ቱርኵ፣ ጣልያን፣ ኣሜሪካ፣ ኢንዶኖዥያ፣ ሃገራት ስካንዲቭያን ከምኡ እውን ናይጄርያ ይስሕብ ምህላዉ።  ብምኽንያት ኢትዮጵያ እተመዝግቦ ዘላ ቅልጡፍ ዕብየት ቁጠባ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ማለት እውን ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዳማ፣ ባህርዳር፣ ደብረብርሃን፣ ድሬዳዋ፣ ሃዋሳን መቐለን ኣብ ፅቡቕ ኸተማዊነት ዕብየት ክህልዋ ምግባሩ።

7.       ካልእ ፅቡቕ ስራሕ ኢህወደግ ምስ ፀጥታን ሰላምን ይተኣሳሰር። ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ውሽጣዊ ሰላምን ምርግጋእን ዘለዋ ሃገር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ኣብ ወሰናወሰን ንዘለዉ እውን ክተርፍ ክኢሉ ኣሎ።   

ድኹም ጎንታት

  1. እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ቋንቋን ዘርእን ዝተመስረተ ብምዃኑ ፀቢብ ብሄርትኝነተ ክምዕብልን ፓን ኢትዮጵያዊ ኣተሓሳስባ ክፈዝዝን ምግበሩ።

2.       ማዕረ ማዕረ እቲ ዝተመዝገበ ቁጠባዊ ዕብየት ዲሞክራሲ ክሰፍሕ ኣይከኣለን።  ኢህወደግ ከም ገዛኢ   ስነ ሓሳቡ ዝጥቀመሉ ‘ወያናይ ዲሞክራሲ’ ዝብሃል ኣተሓሳስባ ነቲ ህዝቢ ወይ ዘይውሓጥ ወይ እንቱፍ ዘይብሃል ናይ ዲሞክራሲ ኩላሶ እዩ ሂቡ።   

3.       መረፃ ብዝምልከት በብሓሙሽተ ዓመቱ ዝመፅእ ናይ መረፃ ጊዜ ሰሌዳ ተዘርጊሑ እዩ። ይኹን እምበር ከይዲ መረፃ ዓብላላይ ሓይሊ ኢህወደግ ስለዝርኣዮ ከም ውፅኢቱ ድማ ተቓወምቲ ውድባት ክሕጎስሉን ወንበር ዝረኽቡሉን ኩነታት ኣይተፈጠረን።

 4.      ኢህወደግ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብዝሰፈረ ደረጃ ፕሬስ ናፅነት ክህሉ ኣይገበረን።  ብሳዕቤኑ ድማ እቲ ውድብ ንገለ ጋዜጠኛታት ምሕረት ኣይነበሮን። ይኹን እምበር ዘይምዕባይ ፕሬስ ናፅነት ጠቕሊሉ ናይ ኢህወደግ ጥፍኣት እውን ኣይኮነን። እተን ብናፅነት ዝሕተማ ጋዜጣታትን መፅሄታትን እንታይነት ፕሬስ ናፅነት ፈሊጠን ዝሕተማ ዓይነት ኣይነበራን።   .

5.     እንተስ ኮነ ኢልካ ወይ እውን ብኣጋጣሚ እቲ ብዙሕ ነገር ክሕግዝ ዝኽእል ዝነበረ ብርክት ዝበለ ሊሂቅ ኢትዮጵያዊ ኣብቲ “ኔትወርክ”  የለን። እቲ ስርዓት ነዚ ሓይሊ እዚ እውን ኣብ ረብሕኡ ዘውዕል ዘይምዃኑ።

6.      ኢህወደግ ሕዚ ኣብ ከቢድ ናይ ኣካብነት ኪራይ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ኣትዩ ኣሎ። ግዕዝይና ንኢትዮጵያ ፍሉይ ተርእዮ ኣይኮነን። ዋላ እውን ብዓለም ለኸ ኣብ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ዛዕባታት ዝርአ ሓደ ናይ ስርዓት ሓደጋ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ርግፀኛ ኮይንካ ክዝረብ ክሳብ ዝኽእል ግዕዝይና ኣብ ኢትዮጵያ ባህሊ ክሳብ ምዃን በፂሑ ኣሎ። ግዕዝይና ኣብ ዘበነ ሃፀይ ሃይለስላሰ ኮነ ኣብ ደርጊ ነይሩ። ኣብ ኢህወደግ ድማ ብሰፊሑ ቀፂሉ። ኢህወደግ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብዚ ዓዘቕቲ እዚ ክወፅእ ፈቲኑ፤ግን ኣይከኣለን።  ኣነ ከምዝመስለኒ ኢህወደግ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ግዕዝይና ዝኣተዉ ሓለፍቲ ብጣዕሚ ወያናይ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ እንተዘይክኢሉ ሕዚ ዘሎ ለበዳ ግዕዝይና እቲ ዝኸፍአ ዝብሃል ኣሲድ እውን ዘጥፍኦ ዓይነት ኣይኮነን። እቲ ውድብ  ክሳብ ሕዚ ዝገበሮም ግዕዝይና ናይ ምክልኻል መንገድታትን ዝወሰዶም ስጉምታትን ለውጢ ከምፅኡ ኣይከኣሉን። ድሕሪ እቲ ብዕምቆም ምሕዳስ እውን ዝተርኣየ እዚ እዩ።        

7.      ነዚ ጉዳይ እዚ ናይ መወዳእታ ዝኾነ ነጥቢ ድማ ምስ ኣወሃባ ዜግነት ይተኣሳሰር። ኢህወደግ መሰል ምርካብ ዜግነት ካብ ኢትዮጵያውያን ወለዲ ዝተወለዱ ደገ ዘለዉ ወገናት ብኣግባቡ ኣይሓዞን።     ብዙሓት ደገ ዘለዉ ኣካላት እዚ መሰል እዚ ተነፊጎም እዮም።  

ከም መዛዘሚ፤ እቲ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ኣካላትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ስነ ሓሳባዊ ኮነ ፖለቲካውን ሓርጎፅጎፃት ትኹረት ዝጠልብ ነገር እዩ።  ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ክብል እንተለኹ እቲ ሊበራል ዶ ዋላ ወይ ራዲካል ገለ ንምባል ኣይኮነን። እኳ ድኣስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ቅርፅታትን ክወፁ እሞ ካብኦም እናተምሃርካን እናኣረምካን ንምካድ የኽእል። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ኢትዮጵያ መፃኢኣ ዝእንፍተላን ንዝልዓሉ ተጓንፎታት መልሲ ንምምንጫው ዝሕግዛን መንገዲ ካርያ (ሮድማፕ) ክህልዋ ይግባእ እብል።   

ኢትዮጵያውያን ሓደ ሻብ እቲ ኣማራፂታት ምስ ሓዙ (ንኣብነት ሚክስድ ማርኬትን መንግስቲ ዝመርሖ ዕዳጋን) እቲ ዝቕፅል ፖለቲካዊ ንፅረት (Political Clarity) ብቐሊሉ ንክትሕዙ ይሕግዞም እዩ። እዚ ብርኪ ኣተሓሳስባ እዚ ምስሓዙ “ታሪኻዊ ለውጥታት ቅርፃዊ ለውጥታት እናኸተሉ” ከምዝኸዱ ይፈልጡ።  እዚኣ ድማ እታ Michel Foucault ዝገለፃ ትኸውን። ከም ኣገላልፃ እዚ ምሁር እዚ ከምዚ ዓይነት ብርኪ ኣተሓሳስባ ምፍጣር ህልው ባህሊ ምስ ቅርፁን ትሕዝትኡን ንምርዳእን ይጠቅም።  

ምእንቲ እዙይ ኢትዮጰያ በቶም ነባራት ዝበሃሉ ሕዚ ንዘሎ ህልው ኩነታት እዛ ሃገር ዘይረብሑ ኣተሓሳስባት ክትዝወር ኣይብላን።  ነዚ ክብሃል ሓደሽቲ ኣተሓሳስባታትን ናይ ኣተሓሳስባ መዋቕራትን ክወፁ ክኽእሉ ኣለዎም። እዚ ኣነ  “ሶሻል ኮንስትራክቲቪስት” ዝብሎ ከይዲ ክኸውን እንተሎ ናይዚ ባእታታትን ታሪኽን ብምፅናዕ ናብ ፖሊሲ ዝዓብይሉን ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ናፃ ዝኾነ ሕግታት ዝወፅእሉን ክኸውን ኣለዎ።  እዚ ማለት ኩሉ ካብ ደገ ዝመፀ ይንፀግ ማለት ዘይኮነስ ኣድላይነት እቲ ናይ ባዕልና ዝብሃል ነገር ክስመረሉ ንምግባር እዩ። ካብ ደገ ዝመፅእ ኩሉ ነገር ቴክኖሎጂ ይኹን ካልእ ኣዝዩ ጠቓምን ክንቕበሎ ዝግባእን እዩ።  እቲ ናይ ውሽጥና ሃገር በቆል ስነ ሓሳበ ግን ዝዓብየሉ ዕድል ክንፈጥር ክንክእል ኣለና። እቲ social constructivist ዝብሃል ኣተሓሳስባ ዓቕሚ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ናይቲ ፀወታ ዓበይቲ እታወታት እዮም ኢሉ ይወስድ። እዚኦም ካብ ደገ ዝመፅእ ሓሳብ ተሰኪሞም ኣብቲ ማሕበረሰብ ብምእታው ዘይኮነስ ናይ ባዕሎም መበቆላዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ልቦናን ሓበራዊ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ንክህልወና ዝጠቕሙ እዮም።   

   ኢትዮጵያን ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብምሉእ ልቢ እንተድኣ ተቐቢሎም ዘይተግቢሮምዎ ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣብ ፖሊሲታት ልምዓት፣ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ፣ ኣብ ልምዓታዊ ምንስቓሳት  ወዘተ ዝርኣዩ ኢትዮጵያዊ ዘይኮከነስ ደጋዊ ሃፋ  ዝስትውዓለሎም ነገራት ክቕፅሉ እዮም ማለት እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ወያናይ ዲሞክራሲ ዝብሃል ሕዚ ኣብ ተግባር ውዒሉ ዘሎ ኣተሓሳስባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብናይ ደገ ስነ ሓሳባት ዝተፀለወ ንምዃኑ ዘረባ ኣየድልዮን።  እቶም ብግትርና ደርጊ ዝተፀዓኑ ኣተሓሳስባታት እውን ብቐጥታ ካብ ሶቭዬት ሕብረት ዝመፁ እዮም። ብኡ እውን እዩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሃይለስላሰ ብግፍዒ ዝቐተለን ካብ 1974-1991 (ከም ኣ.ኤ) ድማ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ዝበልዐን።

  ፅዕንቶ ስነ ሓሳብ ደገ፤ ሕዚ እውን ኣይዛረየን። ኣስተውዒሉ ንዘፅንዐ ኣካል ኣብቲ ሓዱሽ ቢሮክራት ኢህወደግ መልክዑ ዝቐየረ ናይ ደገ ፅዕንቶ ምርካቡ ግድን እዩ።  እቲ ቐሊል ዝገብሮ ኣብዚ ስርዓር እዚ ቅድሚ እቲ ዝካየድ መረፃ ዝካየድ ዘተታት ምህላዎምን ኣብ ከተማታት ሰፋሕቲ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ስለዝካየዱ እቲ ዘሎ ነገር እቲ ህዝቢ ናይ ምዝራብ ዕድል ናይ ምንቃፍ ዕፍል ስለዝረክብ እዩ።  እዚ ማለት ግና እኹል ነገር ኣሎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ጅማሮ ቐፃልነትን ዘላቕነትን ሃልይዎ ክኸይድ ኣለዎ።  እንተዘይኮይኑ ከምቲ   Noam Chomsky ኣብ ሓደ እዋን ዝበ “The smart way to keep people passive and obedient is to strictly limit the spectrum of acceptable opinion, but allow very lively debate within the spectrum.” እዩ ክኸውን።  

መወከሲ

1.       GhelwadewosAraia, “Saluting the Wonderful Ethiopian Intellectuals,” www.africanidea.org/saluting_wonderful.html  June 27, 2011

2.       GhelawdewosAraia, “National Reconciliation and National Development in Ethiopia”, www.africanidea.org/national_reconciliation.html  October 22, 2010

3.       I do not quite recall the source of Noam Chomsky’s penetrating perspective