ብጀ. ፃድቃንን ጀ. ኣበበን(ጀቤ)

ሰደቓ ትሕዝቶ

መእተዊ፡-

1. ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ሰላምን

2. ፖለቲካዊ ኩነታት

3.  ልምዓትናን ህልውናን አብ ሐደጋ ኣሎ

4.         ትግራይና ከመይ ነሰጉማ?

ሀ.         ብቐዳምነት ንውሽጥና ንርአ

       ፩. ብቁዕ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክህልወና ንቃለስ

       ፪.  ጠንካራ መንግስቲ ትግራይ ክህልወና ንቃለስ

        ፫.  አብ ገፊሕ ፅንዓት ዝተመስረተ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ስትራቴጂ ተሓንፂፁ ንተግባራውነቱ ንረባረብ

       ፬.  እቲ ሓዱሽ ወለዶ ብዝተደራጀወን ዝቐልጠፈን መንገዲ ስልጣንን ሓላፊነትን ክረክብ     ንረባረብ

ለ.         ካብ ሕሉፍ ወያነና ንመሃር

ሐ.        ምስ ኢትዮጵያውያን አሕዋትና ንገስግስ

ኩነታትዓድናን  አንፈት  ቀፃሊ ጉዕዞናን

 

መእተዊ

ህልው ኩነታት ዓድና መሰከፊ እዩ ዘሎ። ብደረጃ ክልልና ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ኣለና ምባል ይከኣል። ብዙሓት ደቂ ሃገርና ምእንተ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ክረጋገፅ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ኮላይ ብምፅሓፍ ርኢትኦም ይገልፁ ኣለው። ንሕና ብወገና እውን ብዝመስለና ንኢትዮጵያ ንምድሓን ርኢቶታትና ክንፅሕፍ ፀኒሕና፤ ሐዚ እውን ክንቅፅል ኢና።

ብሃገር ደረጃ ዝግበር ንኢትዮጵያ ናይ ምድሓን ምንቅስቓስ ምስ ኣብ ብሄር/ብሄረሰባት ንሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ዝግበር ቃልሲ ክዋደድ ኣለዎ። ንሕና እውን ከም ተጋሩ መጠን ንቲ ብዝሓሸ እንፈልጦ ኩነታት ትግራይ መሰረት ገይርና እቲ ኣካል ሃገርና ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣብ ትግራይ ከመይ ክኸውን ኣለዎ? ዝብል ሓሳባት ዝመስለና ክነቕርብ ይግባእ። ምእንተ እዚ ሓፈሻዊ ናይ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ምትእስሳሮም ብፅንሰ ሓሳብ (ኮንሴፕት) ደረጃ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዝመስለና ክነቕርብ ኢና። ልምዓት እንትንብል፡ ብዝብል ጀሚርና እቲ ምትእስሳር ብዝርዝር ክንሪኦ ኢና።

ካብቶም ዝተገለፁ ፅንሰ ሓሳባት ተበጊስና ናይ ትግራይ ኩነታት እንታይ ይመስል ዝብል ክንሪኦ ፈቲና ኣለና። ብሓፈሻ ኣብዚ እዋን እዙይ ግልፂ ራእይ፣ ፖሊሲን ስትራተጂን ዘይብሉ፤ ህዝባውነቱ እናሀሰሰ ዝመፀ ኣመራርሓ ኣሎ፤ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ እቲ ህዝቢ ብቲ ኩነታት ተማሪሩ መፍትሒ ኣብ ዝደልየሉ እዋን፡ ሳላ ቓልስና ብርክት ዝበለ ዝተመሃረ ሓይልና ካብዚ ሕመቕ/ደውታ ከውፀአና ዘኽእል ዕቑር ዓቕሚ ዝሰነቐ ንትግራይና ከድሕን ኣብ ምድላዋት ዘለሉ ኩነታት ንግንዘብ።

ካብዚ ደውታ ንምውፃእ ከም ተጋሩ ውሽጥና ንርአ፣ ኣብ ውሽጥና ዘለው ፀገማት ፈቲሕና ንባዕልና ብምጥንኻር፡ ፀገምካ ንደገ ምሃብ (externalization) እናተቓለስና ዘላቒ መፍትሕታት ክነቕምጥ ከም ዝግበኣና፤ ምእንተ እዙይ ካብ ውያነ ህዝቢ ትግራይ እንመሃሮ ክንመሃርን ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ኮይና ክንቃለስ ከም ዘለና ይሕብር። እዚ ኩነታት ንምቕያር መንእሰይ ትግራይ ቁልፍን ወሳንን ግደ ከም ዘለዎ ብምእማን እቲ ሓዱሽ ትውልዲ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝመስለና ኣቕሪብና ኣለና።

ኣብዚ ፅሑፍ ትግራይ ዝምልከት ንመሰረታዊ ሕቶታት መማየጢት ኮይና ( ክሳብ ቀረባ እዋን ብሕታዊት) ዝፀንሐተ ናይ ውልቀ መፂሄት ውራይና  ዝቐረቡ ዛዕባታት ብስፍሓት ክንውከስ ኢና። ኣብዚ 4፣ 5 ዓመት ውሽጢ ዝተፈላለየ ኣርኣእያታት እናንፀባረቐት ተጋሩ ሓሳባትና ኣብ ምሽርሻርን ምጥማርን ዓብዪ ተራ ተፃዊታ እያ ውራይና። እግረ መንገድና ንውራይናን መዳለውታን ብፍላይ ንማነጂንግ ዳይረክተር ጌታቸው ኣረጋዊ ዘለና ምስጋና ክንገልፅ ንፈቱ። ከም ውራይና ዝበላ ካልኦት ነፃ ናይ ውልቀ ሚድያታተ ኣብ ትግራይና ክምዕብላ ይግባእ፤ ኣብ ቀረባ ሰርጌን ትብል ተጀሚራ ኣላ፤ እዚኣ እውን ኣብ ህንፀት ዴሞክራስን ምርግጋፅ ልምዓትን ግዲኣ ከም ትፃወት ነተስፍው፤ ካልኦት ክስስና ንምነ።

 

1.      ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ሰላምን

ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ዲሞክራሲን ብፍላይ ድማ አብ ከምሀገር ኢትዮጵያ ዝመስላ ገና ዘይማዕበላን አብ ሽግግርን ዘለዋ ሃገራት ሰላምን ዝተረጋገዐ ሕ/ሰብ ምህላወን ሰለስቲኦም ብሓባር ተአሳሲሮም እዮም ዝኸዱ፡፡ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ልምዓት ብድልየቱ (ካብ ፖለቲካዊ እምነቱ ተበጊሱ ይኹን ዝለዓለ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ክረክብ ኢሉ) ገንዘቡን ፍልጠቱን ጉልበቱን ክእለቱን አተሓባቢሩ ዝሰርሐ በዓል ሃፍቲ፣ ምሁር፣ ሸቓላይ ክኢላ በዓል ሞያ ብዝገብሮ ዝተዋደደ ንጥፈት እዩ ዝምዝገብ። ምስዙይ ከዓ ነቲ ኩነታት ብግቡእ ተገንዚቡን ተንቲኑን፤ ድልየት ህዝቢ  መሠረት ዝገበረ፣ ህዝቢ ብአግባቡ (ብዝተቐመጠ ስርዓት) ዝቆፃፀሮ ቅኑዕ ንሀገርን ህዝብን ዝጠቅምን ንቅድሚት ዘስጉምን ፖሊስታት፣ ስትራተጂን ዝርዝር መደባትን እናሐንፀፀን እናተግበረን ዝመርሕ ፖለቲካዊ አመራርሓ የድልዮ። ኢኮኖሚያውን ማህበራዊን ልምዓት በዚ ዝተዋደደ ሰነያ ዘለዎ ገፊሕ ምንቅስቃስ እዩ ዝምዝገብ፡፡

እዚ ምውዳድ እዙይ በኮርማጀ፣ በሓይሊ አይስራሕን፡፡ አብዚ በፂሕናሉ ዘለና መዋአል፣ ልምዓትን ሰላምን ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ፣ ኣሳታፋይ ብዝኾነ ስርዓት መንገድኻ ነፂርኻ ንህዝቢ ሒዝካ ብምኻድ እዩ ዝመፅአ፡፡ ብካልእ አዘራርባ እቲ ነዚ መሪሑ ዓወት ከመዝግብ ዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብምምስራት እዩ ከረጋግፆ ዕላምኡ ከዕወት ዝኽእል እዙይ እንተዘይኾይኑ ኢኮኖሚያውን ማህነራዊን ልምዓት ይኹን ሰላምን ዝተረጋግዐ ሕ/ሰብን እቲ አብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብዝሓቶ ቅልጣፈ ምምፃእ አይከአልን፡፡ ዕንፅልፅል እዩ ዝብል፡፡ ንዝተወሰነ ጊዜ ህልም ብልጭ ዝብል ተስፋ እንተሃለወውን ዘላቂን ነዊሕ ዕድመ፣ ዘለዎ ቀፃልነት ዘለዎ አይኸውንን፡፡

ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ልምዓት ምህላውን ዘይምህላውን ብቐጥታ ምስ ሰላምን ዝተረጋገዐ ሕ/ሰብ ምህላውን ዘይምህላውን ዝተተሓሐዘ እዩ፡፡ ብፍላይ አብ ከም ሀገርና ዝመሰላ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መንነታት ዘለዎ ህዝቢ ዘለወን እሞ ንዘመናት ተጨቒኑ ዝነበረ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ብኢኮኖሚን ማህበራዊን ልምዓት ቅልጡፍ ክስጉማ ምግባር፣ ከምቲ ብኢህወዴግ ውን ተደጋጋሚ ዝዝረብ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ፡፡ እዙይ እንተዘይተረጋጊፁ ሰላም አይህሉን፡፡ ሰላምን ዝተረጋገዐ ሕ/ሰብ ዘይምህላው ድማ መሊሱ ንቲ ኢኮኖሚያውን ማህበራዊን ልምዓት ምዕባለ ይዓግቶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንድሕሪት ይመልሶ፡፡ ምስዙይ ብምትሕሓዝ ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ አብ ከም ሀገርና ዝመስላ አብ ሽግግር ዘለዎ ሃገራት እቲ ዋና ሰላምን ምርግጋዕን ምስአን ጠንቂ፡ ውሽጣዊ እዩ፡፡ ካብ ደገ (ካብ ሃገርና ወፃኢ) ዝመፅእ ሓደጋ የለን እኳ እንተዘይተባሃለ ብምንፅፃር ክረአይ ከሎ ትሑት አብ ልዕሊ ምዃኑ ንቲ ውሽጣዊ ፀገምና ተበሊፁ ንኡኡ እናጕሃሃረን ምስኡ ተቐናጅዩን እዩ ሓደጋ ከውድቐልና ዝፅዕር። ስለዚ ውሽጣዊ ፀገማትና ምፍታሕ ማለት እቲ መሰረታዊ ናይ ሰላምን ምርግጋዕን ፀገምና ናይ ሓደጋ ምንጭን ምፍታሕ ማለት እዩ፡፡ እዚ ምግባር ማለት ካብ ደገ ዝመፀና ትንዕምንዕ ምዕፃው እንተመፀ ‘ውን ብዝሐበረ ቅልፅም ምድቋስ ማለት እዩ፡፡

ስለዝኾነ ናይ ቕልጡፍ ኢኮኖሚያውን ማህበራዊ ልምዓትን ናይ ሰፊሕ አሳታፋይን ተሐታትነት ዘረጋገፀ ፣ስለዝኾነ ድማ ብህዝቢ ሰፊሕ ተቀባልነት ዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምህላው ጉዳይ ናይ ሰላምን ተረጋገዐ ሕ/ሰብ ምህላውን ዘይምህላውን ጉዳይ እዩ፡፡ ካብ ሕምስምስ ወፂእኻ ከም ህዝቢ ናብ ዝለዓለ ምዕባለ ምጥማትን ብሓባር ምንቅስቓስን ጉዳይ እዩ፡፡ ከምቲ ተደጋጊሙ በዞም ሐዚ አብ ስልጣን ዘለው ሓለፍቲ ውን ዝተገለፀ ኢኮኖሚያውን ማህበራውን ልምዓት ብቲ አብቲ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝሓቶ ቅልጣፈ ዘየምፀአ ሃገር ንስራሕ ስእነት ድኽነት ብኡ አቢሉ ድማ ንውሽጣዊ ቅልውላውን ሕምስምስን ዝተቓልዐ እዩ ዝኸውን። ብሓፂሩ ሰላም ይስአን ብዘይካ ሰላም ድማ ኢኮኖሚያውን ማህበራዊ ልምዓትን አይሕሰብን፡፡ ናይዚአቶም ኩሎም መጥመሪኦም ንቕድሚት ንክስጉሙ ወይድማ ንድሕሪት ተመሊሶም አብ ናይ ድኽነትን፣ ሰላም ምስአንን ዕንክሊል ክንነብር ነዚ ሐደጋ እዙይ ከይመፅእ ክንከላኸል ዘኽእለና ስፊሕ አሳታፋይ ብናይ ህዝቢ ድሌትን ውሳነን ቁፅፅር ዝረጋገፅ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምህላዉ እዩ። ብዘይካ “እዙይ አነ ዝበልኩኻ ጥራሕ ስማዕ” ዝብል፤ ካብዙይ እንተሓለፈ ውን ብኮርማጅ ብሓይሊ ዝናበር ፖለቲካዊ ስርዓት ዕድመን ቐፃልነትን ዘለዎ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራውን ልምዓትን ሰላምን ምርግጋፅ አይኽእልን፡፡ እዚአቶም ንኽጠፍኡ ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራሕ እዩ፡፡

አብዞም ሰለስተ ኢኮኖሚያውን ማሕበራዊን ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ሰላምን ዘሎ ባህሪያዊ ምትእስሳር ብብዙሓት አብዚ ጉዳይ ገፊሕ መፅናዕቲ ዝገበሩ ምሁራት ዝተንተንዎ ጉዳይ እዩ፡፡ እዙይ ጥራሕ ግን አይኮነን፤  ናይተን ዝነአድ ቅልጡፍ ምዕባለ ብቐፃልነት ንንውሕ ዝበለ እዋን ዘመዝገባ ሀገራት ዝሓለፈኦ ተመኩሮ ነዚ አብ ላዕሊ ዝተገለፀ ሐቂ እዩ ዘረጋግፅ፡፡

ቅድም ኢሉ ንንውሕ ዝበለ እዋን አብ ኢህወዴግ ዝመስረቶ ስርዓት ቐፃላይ ተቓውሞ ካብ ገለ ክፋል ናይቲ ሕ/ሰብ እኳ ዝለዓል እንተነበረ ኣብ ሃገርና አብዝሓለፉ ዓመታት ዝሓሸ ኢኮኖሚያውን ማህበራዊን ምዕባለ ተመዝጊቡ እዩ፡፡ ብተነፃፃሪ ዝሓሸ ዝተረጋገዐ ሰላም ውን ነይሩ፡፡ አብዚ ቁሩብ ዓመታት ግን እቲ ሕ/ሰብ ብገፊሑ አብቲ ጠቅላላ አካይዳ መሰረታዊ ሕቶታት የልዕል አሎ፡፡ በዚ ምኽንያት ውን ናይ ሃገርና ኢኮኖሚያውን ማህበራውን ልምዓትን ሰላምን አብ ሓደጋ ወዲቁ አሎ፡፡ ናይ ሃገርና ልምዓትን፣ ዲሞክራሲን፣ ሰላምን ከመይ ኢሉ ይቕፅል? እቲ ዝወጣወጥ ዘሎ ሓደጋ ከመይ ንፈትሖ? ዝብል ጉዳይ ናይ ኩሉ ብዛዕባ ሃገሩ ዝግደሽ ሰብ ቀልቢ ዝሰሓበ ጉዳይ ኮይኑ አሎ፡፡ እቲ ስግአትን እንታይ ኾን ይመፅእ ዝብል ፍርሕን አብ ኩሉ ሰብ ይረአይ አሎ፡፡ ብዛዕባ እዙይ እናተዘራረብካ ናይ መፍትሒ አንፈት ምንዳይ ናይ ኩሉ ግዱሽ ወዲ ሃገር ጉዳይ ክኸውን አለዎ፡፡

ሃገርና አብ ቀራና መንገዲ ኢያ ዘላ፡፡ እዚ ሐዚ ዝረአይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግራት ብሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎን፣ ናይቲ ፈጻሚ አካል፣ ናይ መንግስቲ ተሐታታይነትን ብዘረጋግፅ፣ ናይ ህዝቢ አብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎ ናይ ምቁፅፃር ዓቕምን ብቕዓትን ብዘዕብዩ ብኡ አቢሉ እውን ናይ ህዝቢ አብ ሃገሩ ዘለዎ ናይ “በዓልቤትነት” ተገዳሽነት፣ መንፈስ ብዘጎልብት ኩነታት እንተተፈቲሑ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ልምዓት ብዝተዓፃፀፈ መንገዲ ክቕፅል እዩ፡፡ “የለን በታ ክሳብ ሐዚ ዝመፃናያ መንገዲ ኢና ንኸይድ፡፤ ኢህወደግን እቶም በብክልሉ ዝመርሑ ዘለዉ ንኢህወደግ ዝመስረቱ ውድባትን እናዓቀንና እንህበካ መሰላትን፤ ፖለቲካዊ ስርዓትን አተሓሳስባን ጥራሕ ኢና ንኸይድ፤ ኢህወደግ ፖለቲካዊ መሰላት ወሃባይ ካሊእ ድማ አሜን ኢሉ የቐንየለይ ኢሉ አወዲሱ ተቐባላይ ተገይሩ ብዝተቓነየ ፖለቲካዊ ቅኒት ኢና ንኸይድ፤ ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ፈታሕቲ ንሕና ጥራሕ ኢና፤ ንሕና ብዝሐንፀፅናያ መንገዲ ጥራሕ ኢና ንኸይድ” እንተተባሂሉ ድማ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ልምዓትስ ይትረፍ አብቲ በፂሕናዮ ዘለና ደረጃን ጠጠው አይንብልን፡፡ ንድሕሪት ክንምለስ ኢና፡፡ እንኳን ዶ ሰላምን  ምርግጋዕን፤  ብፅብፅን ህውከትን ኢዩ ዝኸውን ናብራና፡፡ እዙይ ድማ ሓደ ሻብ እንተተጀሚሩ አበይ ደው ከምዝብል አይፍለጥን፡፡

ምስቲ ሐዚ ኣብ ሕብረተሰብ እናጎልበተ ዝመፅእ ዘሎ ዘይዲሞክራሲያዊ  ኣረአእያን አብ ሞንጎ ህዝብታት ንምንቋት ዝተዓለመ አተሓሳስባታትን ድማ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ክሐሰይ ኢዩ፡፡ ብፍላይ ሐዚ ዝወጣወጥ ዘሎ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ስምዒታትን ገለ ፖለቲካዊ ተግባራዊ ምንቅስቓስን (ከምቲ አብ ከባቢ ጎንደር ዝተርአየ ተርእዮታት) ናብ ካልኦት እውን እናተስፋሕፈሐ እንትኸይዱ አብ ሃገርና ብጠቕላላን አብ ህዝቢ ትግራይን ከቢድ ሐደጋ ከብፅሕ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ እዙይ ንምምካት ክዳሎ አለዎ፡፡ እቲ ቀንዲ አንፈት ናይ ምድላው ድማ ብዛዕባ እቲ ክመፅእ ዝኽእል ሐደጋ፣ እቲ አብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ እናዓቀነ  እቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ሰባት መጢኖም ብዝሐንፀፅዎ መስርሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ወፃኢ እንታይ ንግበሮ እናበለ፤ ብገፊሑ፣ ከይተሸቑረረ ናይቶም ሰበስልጣን ገፅን ድሌትን ከይረአየን ንዓድን ንህዝቢን ካብ ሓደጋ ዘድሕን ሓሳባት ከመንጩ፣ ኣብኡ ክስማዕማዕ ኣለዎ። እቲ ቀዳመይ ትኹረት ኣብ ውሽጡ ንህዝቢን ንሃገርን ዝጠቅም ኣተሓሳስባን ተግባርን መሰረት ገይሩ ሰነያ ክፈጥር አለዎ፡፡ ሓድነትን ስምምዕነትን ክህልዎ ኣለዎ፡፡ እዙይ መበገሲ ገይሩን ንዙይ  እናጎልበተን ከዓ አብቲ ናይ ጠቕላላ ሃገር ፖለቲካዊ ስርዓት ምዕራይ ዓቢይ ብፅሒት ከም ዘለዎ ፈሊጡ ግዲኡ ክፃወት ኣለዎ፡፡ ኣብዚ መስርሕ እዙይ ናይ መናእሰይ ተጋሩ ግደ ወሳናይ ኢዩ፡፡

2. ፖለቲካዊ ኩነታት

ናይቶም ኣብዛ ሃገር ሐዚ ንሕብረተሰብ ብዘተሓሳስብ ደረጃ ዝረአዩ ዘለዉ ሽግራት ዋና ምንጮም ክፍትሑ  እንተኾይኖም እውን መፍትሒኦምን እቲ ፖለቲካዊ ሽግር ኢዩ፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ብብዙሓት እቲ ጉዳይ ዘተሓሳሰቦም ሰባት ናይ ሃገርና ፖለቲካዊ ኩነታትን ሓደግኡን ብቐፃልነት ብዙሓት ሓሳባት ቀሪቦም ኢዮም፡፡ ስለዝኾነ እውን ናይቶም ሽግራት ባህሪን ምንጮምን ኣግፊሕኻ ምዝርዛር ነቶም ዝሓለፉ ፅሑፋት ምድጋም ኢዩ ዝኸውን፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ናይቶም ፀገማት ክብደት ግን እቲ መንግስቲ ባዕሉ ብዝአመነሎም ብዝአተዎም መፅበዓን ጥራሕ ምግንዛብ ይከኣል እዩ፡፡ ሃገርና ኣብ ናይ እቶ እቶ አዋጅ ኢያ ዘላ፡፡ እቲ ፖለቲካዊን ፀጥታን  ሽግራት በቲ ንቡር ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍትሑ መንገዲ ምፍትሕ ስለዘይተኽኣለ አዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ክሳብ ሐዚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ፡፡

እቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ውሽጣዊ አኼባታት እናገበረ “ኣለልየዮም ኣለኹ ክቃለሶም እየ” እናበለ ዝገልፀልና ፖለቲካዊ ሽግራት ብዙሓትን ከበድትን ኢዮም፡፡ ካብዚኣቶም እቲ ዋና ሽግር ናይ መንግስቲ ስልጣን ንውልቃዊ ድሌትካ መርወዪ  ገይርካ ምጥቃም እቲ ዝዓበየ እዩ ኢሉ፡፤ ብርግፅ ዓቢይ ሓደጋን ፀገምን እዩ። ኣብ ሞንጎ እቲ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተወካላይ ዝኾነ ናይ ሕጊ መውፅእን ናይ መንግስቲ መደባት ፈፃማይ ዝኾነ ስራሕ ፈፃሚን ካብዚአቶም ገለልተኛ ክኸውን ዝግበኦ ሕጊ ተርጓሚን ዘሎ ዝምድና ዝተስተኻኸለ ኣይኮነ፣ ናይቲ ስራሕ ፈፃማይ ቅልፅም ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ በርቲዑ አሎ ኢሉና እዙይ እውን መሰረታውን ዓብይን ፀገም እዩ፡፡ ምስ እዙይ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም፣ ናይ ግዕዝይና ፀገም፣ ናይ ተሓታታይነት ምጉዳል ፀገም ወ.ዘ.ተ ኩሎም ካብቶም ልዕል ኢሉ ዝተገለፁ ፀገማት ዝምንጭዉ ፀገማት እዮም እሞ እዚአቶም ፀገመይ እዮም ኢሉና፡፡ እቶም መንግስቲ ዝአመነሎም ሽግራት ጥራሕ ብምውሳድ እዛ ሃገር አብ ዓብይ ፖለቲካዊ ሽግር ከም ዘላ ምርአይ ይከአል እዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ አብቲ ገዛኢ ፓርቲ ውሽጢ ዓበይቲ ሽግራት ዘለዉ ይመስሉ። ከም ማንም ሰብ ብደገ ብወረወረ እንሰምዖም ሽግራት አዐርዮም መሰከፍቲ እዮም፡፡ እቶም ንኢህወዴግ ዝፈጠሩ አርባዕተ ውድባት አብ መንጎኦም ሰነያን ስምምዕነትን፣ ምድምማፅን ንሓበራውን ሃገራውን ህዝባውን ዓላማ ተሓባቢርካ ምስራሕን አለዶ ወይስ የለን ክንብል ይገብረና፡፡ እዙይ እናጠፈአ አነ ይበልፅ አነ ይበልፅ አነ እየ አርሓ (core) ናይ ኢህወዴግ የለን አነ እየ ክኸውን ዘለኒ አብ ዝብል ውድድርን ንሕንሕን እዮም አቲዮም ዝናቖቱ ዘለዉ ኢና ንሰምዕ፡፡ ንህዝቢ ብማዕርነት ዝጠቅም ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ናይዚ ሃገር ማዕርነታዊ ሓድነትን፣ ፍትሓዊ ተጠቃምነትን፣ ልምዓትን ዲሞክሲን ሰላምን ማእኸል ዝገበረ ሓሳብ እናተአኻኸቦም ብሓባር ድዮም ዝሰርሑ ዘለዉ ወይስ ነናይ ባዕሎም ግዝአት ክፈጥሩ ብግዝአቶም ተሰማዕትን ናይቲ “ግዝአቶም” ተሓለቕትን ክኾኑ እዮም ዝሰርሑ ዘለው? ካብዚ ሓሊፉ ድማ ጠቅላይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓደ እዋን ከም ዝበልዎ ነናይ ባዕልኻ ኔትወርክ ፈጢርካን እናጠናከርካ፣ ሕኸኸለይ ክሓከልካ፣ ደግፈኒ ክድግፈካ፣ እናተደጋገፍና ናይ ስልጣን ዕድመና ነናውሕ እዩ ኾኑ ዘሎ ናይ ግዚኡ መምርሒ? እዞም ሕቶታትን ካልኦት ንሕና ዘየልዐልናዮም ሕቶታትን ክነልዕል ዝገብረና ዘሎ እቲ ዝስማዕ ዘረባታትን አብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን መተሓሳሰቢ ቅልጡፍ መፍትሒ ዘድልዮ ስለዝኾነ እዩ፡፡ አብዚ ደረጃ እንተተበፂሑ ሃገርና አብ ከቢድ ሓደጋ እያ ዘላ፡፡

እቲ ፖለቲካዊ ፀገም ከም ዘሎን ቅልጡፍ መፍትሒ ከምዘድልዮን ብዕሊ መንግስቲ ካብ ዝአምነሉ ዳርጋ ዓመት ክገብር ይቀራረብ አሎ፡፡ እዙይ መሰረት ተገይሩ ውን ብዙሓት ተስፋታት ተገሊፆም ነይሮም፡፡ ብፍላይ አብ ናይ ፓርላማ ናይ መጀመርያ ዓመት መኽፈቲ፡ ፕሬዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ አብ ዘረበኦም ነቲ ፀገማት ምግላፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መፍትሒ አንፈታት ውን ሓቢሮም ነይሮም፡፡ እዚአቶም ምስቲ አብ ባይታ ዘሎ ፀገም ማዕረ እናሰጎሙ አብ ተግባር እናዋዓሉ አይረአዩን ዘለዉ ክሳብ ሐዚ እቲ ውድብ ባዕሉ ብዝሓንፀፆም መደባት ተሓፂሩ ባዕልና ክንፈትሖ ኢና ዝብል ምስቶም ናይቶም ፀገማት ስፍሓትን ጥልቀትን ዘይተገናዘበ አንፈት እዩ ተኸቲሉ ዝኸይድ ዘሎ፡፡ አብዚ ናይ ኢህወዴግን ነዛ ውድብ ዝመስረታ ውድባትን ዓንኬል ጥራሕ ተሓፂርካ እቲ አብ ሃገር ዘሎ ፀገም አይፍታሕን፡፡

ናብ ትግራይ እንተመፂና ‘ውን እቲ ላዕለዋይ አመራርሓ ህወሓት ብጉጅለታት ተመቓቒሉ እዩ፤ ነንባዕሉ ግልፂ ኾይኑ አይዘራረብን እቲ ሓደ ጉጅለ ነቲ ኻሊእ ጉጅለ ከጥቅዕ እዩ ዝንቀሳቐስ ዝብል ብዕሊ እቲ ውድብ ኣቐሚጡ እዩ፡፡ እቲ ዋና ውራይ ብዛዕባ ሃገር፣ ህዝቢ፣ ህዝባዊ ዕላማ፣ ሃገራዊ ረብሓ ምሕሳብን ነዚ ዘሰጉም ሓሳባት ካብ ዝመፀ ይምፃእ ተቐቢልካ ምስራሕን እናተገበአ ናይ ስልጣን ዕድመ ንምንዋሕን ነዙይ ዝጠቅም ትያትር ምስራሕን ኾይኑ አሎ፡፡ አብ ርእሲ እዙይ እቲ ሐዚ ዘሎ ናይ ህወሓት አመራርሓ አነ እየ ኹሉ ነገር ዝፈልጥ አነ ዓቂነ ዝሃብኩኻ ጥራሕ ተቐበል በሃላይ ኾይኑ አሎ፡፡ በዚ መንፈስ ድማ ክሰምዖም  ዝደልዩ ዘረባ ዝዛረቦም ሰብ እናአከቡ እናተወደሱ ዝኸድሉ ተዋስኦታት ብገፊሑ ይካየድ አሎ፡፡  እዙይ ነቲ ሐዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም አይፈትሕን፡፡

ካብዚ አብ ላዕሊ ዝተገለፀ አብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዘሎ ምትፍናን ዝመስል ነገር ዝብገስ አብቶም ክልላትን ነቶም ክልላት ዘመሐድሩ ፖለቲካዊ ውድባትን ውን ዓበይቲ ፀገማት ይርአዩ አለው፡፡ ካብዚአቶም እቶም ዓበይትን ሐደገኛታትን ዝመስሉና፡፡

. ዓፋናይ ፀረ ዲሞክራሲ ፖለቲካዊ ስርዓት ሐዚ ውን አይተቐንጠጠን እቲ ገዛኢ ፓርቲ አነ ዝበልክዎን ዝሐሰብክዎን ጥራሕ ተቐቢልካ ኪድ ዝብልን ካሊእ ኩሉ መማረፂ መንገድታትን ሓሳባትን ናይ ጥፍአት ናይ ፀላእቲ መንገዲ እዩ ብዝብል መግለላይ፣ ንሕ/ሰብ ብጠቕላላ አብ ሃገሩ ባዕዲ ዘግብር ብተገዳሽነትን በዓልቤትነትን ስምዒት አብ ናይ ሃገሩ ጉዳይ ንጡፍ ተሳታፋይ ከይኸውን ዘግልል ፖለቲካዊ ስርዓት ሰፊኑ አሎ፡፡ ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ብዝቐልጠፈ ተሐሲብሉ ዝትግበር መስርሕ ናብ ስልጣን ክመፅእን ሓላፍነት ክወስድን ዘግብር አካይዳ አይረአይን፡፡

           

. ካብቶም ንሃገርናን ነበርታን ዘቀራረብዋን ሓድነታ ዘጠናኽሩ ጉዳያት አብቶም ዘፈላልዩና ሓድነትና ዘላሕልሑን ጉዳያት ምንጣፍ ይረአይ አሎ፡፡ አብቶም ክልሉን ብሄር ብሄረሰቡን ዘለው ናይ ምድሕርሓር አታሓሳስባታት (ፀቢብነት፣ ትምክሕቲ) ምሽጓጥን ንዚአቶም እንምበድበድካ ናይ ስልጣን ዕድሜኻ መናውሕን ገይርካ ብምጥቃም አብ ሃገር ደሐር ንምፍትሑ አፀጋሚ ዝኾነ በሰላ ይፈጥር ኣሎ፡፡ እዙይ እቲ ኩነታት ናብ ከመይ ዝበለ ዝኸፍአ ደረጃ ይኸይድ ከም ዘሎ መርኣይ እዩ፡፡

ብምጥቅላል ናይዚ አብ ሃገርና ዘሎ ብጣዕሚ አታሓሳሳቢ ኩነታት ምንጩን መፍትሒኡን ናይቲ ፖለቲካዊ ምሕደራ ጉዳይ ስለዝኾነ አብዛ ፅሑፍና አብዚ ፖለቲካዊ ጉዳይ አተኲርና አለና፡፡ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ልምዓት ንምምፃእ ቅልጡፍን ናይዙይ መሰረት ዝኸውን ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሉን መሰረቱ ህዝቢ ዝአመነሉ፣ ዝተቐበሎ፣ ይጠቕመኒ እዩ ዝበሎ፣ ባዕሉ ዝቆፃፀሮ፣ ክደሊ ኸሎ ዝሸሞ ከይደለየ ክተርፍ ኸሎ ድማ ዘውርዶ ንህዝቢ ተፀዋዓይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምሕደራ የድሊ፡፡ ከምዚ ዝመሰለ ስርዓት ድማ አብዚ ዘለናሉ መዋእል ህዝብታት ሓሲቦም መኺሮም ብዝሰማማዕሉ ሕገ መንግስቲ አቢሎም ይገልፅዎ፤ ዝለዓለ ሕጊ ናይዛ ሃገር ገይሮም የቐመጥዎ፤ ዝኾነ በዓል ስልጣን ስልጣኑ በቲ አብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠ መንገዲ ይረከብ፤ ንዕኡ ተአማናይን ተገዛአይን ኾይኑ ድማ ይትግብሮ፡፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ ተድልይዎ ውን አብቲ ሕገ መንግስቲ ብዘሎ አገባብ የመሓይሾ፡፡ እንተዘየሎ ግን እቲ ኻሊእ መማረፂ ብዓል ሐይሊ ዝደለየ ዝገብረሉ ስርዓት ይኸውን፡፡ እቲ ብዝተወሰነ ግዜ ስልጣን ዝሐዘ ሓይሊ ነቲ ሕገ መንግስቲ ምጥሓስ ክጅምር ከሎ ካሊእ ውን ሓይሊ ዘለዎ ብሓይሊ ክጥሕስ ዝዕድም ዘሎ ምኻኑ ክፈልጥ አለዎ፡፡ እዚ መስርሕ እንተመፂኡ መወዳእትኡ እንታይ ምኻኑ አይፍለጥን፡፡ ስለዚ ከቢድ ጥንቃቐ የድልዮ፡፡ ካብዙይ ቐፂሉ አብ ትግራይ ናብ ዘሎ ኩነታት ክንአቱ፡፡

3.      ልምዓትናን ህልውናናን አብ ሓደጋ ይወድቅ አሎ      

ልምዓት እንትንብል፦ ሰብ ከም እንስሳ መጠን ክነብር ናብርኡ ክደፍእ ዝብላዕ፣ ዝስተ ወ.ዘ.ተ የድልዮ፤ እንስሳ ተፈጥሮ ዝሃቦ ፀጋ ዳርጋ ከም ዘለዎ እዩ እናአለሸ ዝጥቀም። ናብርኡ ዝደፍእ ሕ/ሰብ ግን ሐሲቡ፣ ተመራሚሩ፤ ሰሪሑ ንተፈጥሮ እናማዕበለ (እናጥፈአ) ይጕዓዝ ብዝሰርሐ ቁፅሪ ይመሃር፣ ይምዕብል፡፡ ብቀፃልነት ስራሕን ምርምርን (በብደረጅኡ) አብዚ ሐዚ በፂሕዎ ዘሎ ስልጣነ ይርከብ፡፡

ስራሕን ምሕሳብን ናይ ሕ/ሰብ መለለይ እዮም። ክትሐስብ፣ ክትመራመር (ንካልእ እንተይጎዳእኻ)  አብ ክሊ ሕጊ ኮይኑ አብ ዘድለዮ ዓውዲ፣ ግዜ ቦታ ክሰርሕ ነፃነት የድልዮ፡፡ ናይ ስርሑ ውፅኢት መሰረት ገይሩ ክመራመር ነፃነት የድልዮ፡፡ ናይ ሓሳብን ናይ ምንቅስቃስን ነፃነት ዝበሃል፡፡ ነፃነቱ ድማ ሰብአዊን ዴሞክራሲያዊ መስላቱ ብምኽባር ይረጋገፁ ከም ሕ/ሰብ ተወዲቡ ስለዝንቀሳቀስ ድማ ነዚ ነፃነቱ ንምሕላው ዴሞክራሲያዊ ትካላትን ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመረፀ ምምሕዳር የድልይ፡፡

ልምዓት ማለት ብዋናነት ሰብአዊ ልምዓት እዩ፡፡ ተፈጥሮ ዝለምዕ ወዲሰብ እንትለምዕ እዩ፡፡ ብስራሕን ምሕሳብን ይምዕብል፡፡ ሙሉእ ግዚኡ አብ ስራሕን ምሕሳብን ከሐልፍ ውፅኢታዊ ክኸውን ንኡ ዘመቻቸወ ፖለቲካዊ ሃዋህው ይሐትት ጥራይ ዘይኮነ ወሳኒ እዩ፡፡ ብኡ ምክንያት Adrian left witch ዝበሃል ፀሐፊ ከምዚ ይብል፡ “ልምዓት ብመሰረታዊነት ፖለቲካዊ ዛዕባ እዩ፡፡ ዓይነት ሀገር መንግስቲ (state) ይኹን መልክዕ ፖለቲካ አብ ጉዳይ ሰናይ ምሕደራ ፅዕንቶ የብሉን ምባል ጭቡጥ ክርክር አይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ብስሩውን ንሰናይ ምሕደራ ዝፈጥሮ፣ ዘላቂነት አረጋጊፁ ዝሕልዎን እቲ ዓይነት ሀገር መንግስቲ ወይድማ መልክዕ ፖለቲካ እዩ፡፡” leftaten።

ሰብ ክለምዕ ዘየቋርፅ ስሩዕ (ዘይስሩዕ ትምህርቲ የድልዮ፡፡ በብደረጅኡ ካብ ቆልዓ ጀሚሩ ክሐትት ክመራመር፣ ካብ ኩሉ ሕማማት ብዝተኽአለ መጠን ነፃ ዝኸውን ዘየቋርፅ ማተርያላዊ ንዋታዊ ድልየቱ ንምምላእ ናይ ካልኦት ተመክሮታት ክውሰድ ናይ ባዕሉ ከካፍል ብምሕሳብን ብምስራሕን ዝተረከቡ ፍርያቱ እውን ክለዋወጥ ናይ መጓዓዝያ ናይ ኮሚኒኬሽን ዝተፈላለየ መሰረተ ልምዓት የመዓራሪ፡፡ 

80% ገባር አብ ዘለዎ ብሄር/ሃገር እቲ ሐረስታይ ንባዕሉን ንሕ/ሰቡን ከልምዕ ቀትሪ ለይቲን እናሰርሐ እናተምሃረ ናይ ባዕሉ ዋኒን ባዕሉ ዝቆፃፀረሉ ሃዋህው እናተፈጠረሉ፣ ናይ መሬት ውሕስና ዝተረጋገፀሉ፣ ዝኮነ እታወት (input) ብናይ ባዕሉ ድልየት ጥራይ ክኸውን ከባቢያዊ ምምሕዳር ሙሉእ ብሙሉእ ባዕሉ ዝቆፃፀረሉ አብ ብሔራዊ (ሃገራዊ) ዛዕባታት እጃሙ ከወፍየሉ ዝኽእል ናይ ነፃነት ሃዋህው ክህልው ይግባእ፤ እንተይፈርሐ፣ እንተዘይተሸቑረረ ብዘይምቁራፅ ስሩዕን ዘይስሩዕን ትምህርቲ እናተምሃረ፣ መፍራይነት እናተዓፃፀፈ ብኡ አቢሉ ድማ ማሕበራዊ ድልየታት ዝተማልአ ሐረስታይ ይኸውን፡፡

ሓረስታይ በይኑ ብሄር/ሃገር አየለምዕን በይኑ ንባዕሉ እውን አየለምዕን ናይ ዓለም /ከባቢ/ ሃገርን ብሔርን ኩነታት ብዝግባእ አፅኒዑ ራእይ ዝሰንቅ፤ አድለይቲ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን ዝህነፅ ምሁር ልዑል መፍረይነት ዘለዎ ሸቃላይ፤ ዘለዎ ሃፍትን መሃዛይነት ዓቅሙ ተጠቂሙ ናይቲ ገባር እቶትን ናይ ሸቃላይ ብቅዓትን ሙሁር ዝሐንፀፆ ፖሊስን ስትራተጂ አዛሚዱ ቁልፊ ተራ ዝፃወት በዓል ሃፍትን ተጣሚሮም እዮም ልምዓት ዘምፅኡ፡፡ እዚኦምን ዘይተጠቀሱ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላትን ብዘይፍርሕን ስግአትን እቲ ሕ/ሰብ ዝሓቦም ዕማም (task) በብደረጀኦም እናተመራመሩን እናሰርሐን ዘንቀሳቅስ ሃዋህው እንተልዩ እዩ ምዕባለ ዝህሉ፡፡

ሕ/ሰብ በዚ ዝተጠቐሰ መንገዲ ክንቀሳቐስ ምችው ኩነታት ዝፈጥርን ንሶም ዘይኽእልዎ ጉዳያት እናወተፈ በብእዋኑ እናተመረፀ ስልጣን ዝሕዝ ምምሕዳርን፤ ሐዊሱ ቆወምቲ ዝኾኑ ሃገራዊ ትካላትን ሲቪል ሰርቪስ የድልዮ፡፡ ናይዞም ትካላት ናይ መጀመርያ ዕማም እቲ ሓረስታይ፣ ሸቃላይ፣ በዓል ሃፍቲ፣ ሙሁርን ካልኦት ናይ ሕ/ሰብ ክፋላትን ናይ ምሕሳብ ምርምር ናይ ስራሕ ምንቅስቃስ በአጠቓላሊ ሰብአዊ መሰላት ብመንግስትን ብካልኦትን ከይጠሐሱ ምክልካልን አብቲ ሕገ-መንግስቲ ዝተቐመጠ አወንታዊ መሰላት ዕትቡን ዘላቂን ብዝኾነ መንገዲ ምትግባር እዩ፡፡ ናይ ምሕሳብን ምፍላጥን ምስራህን ነፃነት ብዝበለፀ ክረጋገፅን ዘላቂነት ክህልዋን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ፓርትታት ንዝውክልዎም ሕ/ሰባዊ ክፋላት ብምጭራሕ መማረፂ ሓሳባት እናሐንፀፀ ብመረፃ እንትስዕሩ ስልጣን እናተቐበለ አብ ዝኸደሉ መስርሕ እዩ ልዑል ልምዓት ዝህልው፡፡

ልምዓትናን ህልውናናን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኣሎ እንትንብል፤ እንታይ መግለፅታት ኣለው? ዝብል ክልዓል ስለ ዝኽእል፤ ካብቲ ህልው ኩነታት ገለ ነጥብታት ከም መርኣያ ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ክንድህስስ፦

  1. ናይ ሃገርና ድሕንነት አብ ሐደጋ ስለዝወደቐ አብ አዋጅ እቶ እቶ (state of emergency) ኩነታት ንርከብ፡፡ ካብ ክልል ናብ ክልል ብመልክዑ ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ መበገሲኡ ድኽነትን ሕፅረት ዴሞክራሲን ስለዝኾነ መሰረቱ ሐደ እዩ፡፡ ኢትዮጵያና አብ ቀራን መንገዲ (cross road) ትርከብ፡፡

አብ ትግራይ እምኒ አይተደርበየን፣ ፋብሪካ አይተቃፀለን፣ ንካልኦት ብሄረሳባት አብ ሐደጋ ዘውድቅ ምንቅስቓስ አይተርአየን ማለት ህዝቢ ዝበፅሖ ዘሎ በደል የለን ወይድማ ውሑድ እዩ ማለት አይኮነን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብ ነዊሕ ታሪኽን ናይ ቀረባ ዕጥቃዊ ቃልሲን ዝረኸቦ ተሞክሮ ዘለዎ ኩነታት አብ ግምት አእትዩ መረረቱ ብሰላማዊ መንገዲ ክገልፅ እዩ ክሳብ ሕዚ መሪፁ፡፡ ብፅንዓት ሕገ መንግስታዊ መሰላቱ ተጠቒሙ ቃልሲ ክቕፅል እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር። ድክነትን፣ ፀረ- ዴሞክራሲ ዓፈናን ካብቶም ካልኦት ክፋላት ዝገደደ ተዘይኮይኑ ዝሐሸ ኩነታት የብሉን፡፡ ስለዚ እውን ብሰላማዊ መንገዲ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ክቃለስ ይግበኦ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንማዕርነትን ፍትሒን ንመሰል ዓርሰ ውሳነን ልዑል መስዋእት ስለዝከፈለ አብ ሃገርና ዝተኸበረን ተሰማዕነት ዝነብሮን ህዝቢ ነይሩ፡፡ እዚ ኩነታት እዚ ይቕየር አሎ፡፡ አብ ሃገርና ነጊሱ ብዘሎ ፀረ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው አብ መንጎ ህዝብታት ምጥርጣር ዝዓብየሉ ኩነታት ንርኢ አለና፡፡ ፀረ ዲሞክራሲያዊ ሐይልታት ገበኖም ክሽፍኑ ህዝቢ ንህዝቢ የጋጭው አለው፡፡

ገና ካብ 1983 ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ/ኢትዮጵያ ነፂሎም ንምውቃዕ “ናይ ትግራይ ዓብላልነት” ክብሉ ምግዋሕ ጀመሩ፡፡ አብ መጀመርታ ሰማዒ እዝኒ ብዙሕ አይነበሮምን፤ እቲ ትፅቢታት ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘይተማልአ ምስተረፈን ፀረ ዲሞክራሲ ሃዋህው ምስ ሰፍሐን ነቲ ፕሮፖጋንዳ ዝምክቶ ምስ ሰአነን (ፌደራል ይኹን ክልል) ግን ህዝብታት እውን እዝኒ ምሃብ ጀሚሮም ፀረ ተጋሩ መንፈስ ይሰፍሕ አሎ፡፡

አብ ጎንደር ከባቢአን አብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሐ ጥፍአትን አብ ዓበይቲ ከተማታት ሃገርና ንተጋሩ ንምሽቑራር ዝግበር ፈተነታት ናይዚ መርአያ እዩ፡፡ ብህፅፅን ደረጃ ብደረጃን እናተፈተሐ እንተዘይኸይዱ ግን እቲ ዓብይ ሐደጋ ምስተንጠልጠለ እዩ ዘሎ፡፡ እዚ ናይ ማንም ሸርሒ ይኹን ጉርሒ የብሉን፡፡ ኣብቲ መሪሕነት ዝኒሀ ፀገም ዝወለዶ እምበር፤ ኣብ ውራይና መበል 36 ሕታም ዘሎ ፅሑፍ “..እዚ ናይ ገስረጥን ጠላምን ምሕደራ ትሩፋት እምበር ህዝቢ ምስ ህዝቢ  ስለዝተፃልአ ኣይኮነን። ንስልጣን ጠላማት፤ ከዳዓትን  ብርጡጣት ዓቀይቶትን ክብሃል ዝተኸፍለ ዘይግባእ መስዋእትነት   እዩ” ኢሉ ከም ዝገለፆ አዩ ዝብል ግንዛበ ኣሎ።

  1. ምስ ኤርትራ ዘሎ “አይሰላም” “አይኩናት” ንህዝብና አብ ሐደጋ የውድቆ አሎ፡፡ ብፍላይ አብ ዶብ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ ተረጋጊዑ ልምዓት ክመርሕ አይካአለን፡፡ ዓበይቲ ናይ ወፃኢ ሰብ ሃፍቲ ንክመፅኡ እዚ ኩነታት ምሕታቶም አይቀረየን፡፡ ንትግራይ ይሐስያ አሎ፡፡ ነዚ ዝተረደአ ምንቅስቃስን ድጋፍን ብወገን ክልል ይኹን ፌደራል አይንዕዘብን ዘለና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ቀንዲ ፀላኢኡ ህዝቢ ትግራይ ገይሩ አሎ፡፡
  2. ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ንህዝቢ (mobilize) ክገብርኦ አይካአላን፡፡ አብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህወሓት ራእይ ዘለዎ መሪሕነት ሙዃኑ አቋረፁ እዩ። እንተይተረደኦም ባዕልቶም ብኸምዚ  ይገልፅዎ፡ “ብፃይ መለስ ንአርባዓ ሐምሳ ዓመት….” ድህሪ 26 ዓመት ራእይ ዘለዎ መንእሰይ ሙሁር ክህልው ይኽእል ዘይምባሎም ምችው ኩነታት ዘይምፍጣሮምን ዘገርም እዩ፡፡
  3. ናይ ትግራይ ጭቡጥ ኩነታት መሰረት ዝገበረ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን ይጎድለና አሎ፡፡ ከምቲ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ዝበልዎ ሐደ ፈውሲ ንኩሉ ሕማም መድሐኒት ክኸውን አይኽእልን ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ዝወፁ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን (ናይ ባዕሎም ሽግራት እኳ እንተሃለዎም) ከም ዘለዎ ክልላት ተግባራዊ ክገብርዎ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ሓድነት ጥራሕ ዘይኮነስ አፈላላይ እውን ስለዘሎ እዩ ፌደራላዊ ስርዓት ተዘርጊሑ ዘሎ፤ ማህበራዊ፣ ታሪካዊ፣ ተፈጥራዊ ወ.ዘ.ተ አፈላላይ ስለዘሎ እዩ፡፡ እቲ ናይ ፌደራል ምስ ጭቡጥ ኩነታት ክልል ክኽለሱ አለዎም፡፡

ንአብነት ፖሊሲ “ሕርሻ ዝመርሖ እንድስትሪያላዊ ምዕባለ” አብ ትግራይ ሰሪሑዶ? ክሰርሕዶ ይኽእል? ብዙሓት ፂሒፎም እዮም፡፡ አብዚአቶም ውሽጢ መንእሰይ ገብረስላሰ አርአያ አብ ውራይና መበል 28 ሕታም ንመንበብቲ ዘቕረቦ ሓሳባት ተስፋ ዝህብ፣ አንፈት ዘትሕዝ እዩ፡፡

አብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ (game changers) እንታይ እንታይ እዮም? ንኹሎም ከመይ ኢልና ነዋድዶም ኢልካ ቅድመ ተከተል ዘትሕዙ ፖሊስታት ስትራተጂታትን ይሓትት፡፡ አብ ስልጣን ዘለው መራሕቲ ትግራይ አብ ራእይን ፖሊስታትን ስትራተጂታትን ዘለዎም ጉድለት እቲ አብ ላዕሊ ዝተገለፀ መርአያ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ፖለቲካ ጠቅላላ አብዩዎም ንህዝቢ ዝመርሑ ዘይኮነስ ደድሕሪ ህዝቢ ይጉተቱ ዘለው ሙኳኖም አብዚ ሰለስተ ዓመት ዝተርአዩ ምዝብርራቃት መርአያ እዮም፡፡ ፖለቲካዊ ኩነታት አብ ምትንታን ዝርአ ፀገም መጠን የብሉን፡፡

ብ 2007ዓ.ም አብ ዝነበረ ጉባኤ ብናይ ህዝቢ ፀቅጢ ስልጣኖም ዘድሓኑ መሲሉዎም ዋና ሽግርና ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሽግር እዩ” በሉ፤ ናይ ህዝቢ ቁጠዐ ዘላሳለሱ መሲሉዎም። አብዚ እዋን እዚ እዩ ቀሺ ገ/ገርግስ ገ/ማርያም “ፊት ንፊት ገጢምና እንተወሐደ ንለባም ክርደኦ ገይርና አለና፡፡ ቀይናን እውን ሰንቢዱ አሎ” ዝበሉ፡፡ ቀሺ መርአያ ናይ ህዝቢ ትግራይ መረረት እዮም፤ ብብሱል አንደበቶም ክንዲ ህዝቢ ተዛሪቦም፡፡

ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ምስ ካልኦት ናይ ኢህወዴግ አባላት ኮይኖም ናብ ጥልቅ ተሃድሶ ዝበሃል ጉድጓድ (quagmire) አተው፡፡ ዋና ሽግርና ናይ መንግስቲ ስልጣን ንውልቅዃ ምጥቃም አተሓሳስባ እዩ በሉና፡፡ ናይ መንግስቲ ስልጣን ብዘይ አገባብ ምጥቃም ብፀረ ዴሞክራሲያዊነት፣ ብዓቅሚ ወነ ምስአን (እንታይ እሞ ዘይተብሃለ) ተጋማጊምና በሉ፡፡ ክሳብ ታህቲ እውን አውሪድናዮ በሉ፡፡ ላዕለዎት ንባዕልቶም እንተይተነካኽአ ብምትሕልላይ ሐለፍዎ አብ ታሕቲ ዝቅፃዕ ቀፂኦም (ብፍላይ እቶም ዝነቀፍዎም) ተሃዲስና በሉ፡፡ አብላዕሊ ንምንታይ ስጉምቲ ዘይተወሰደ እንተተብሃለ … “እንድዒ መረዳእታ የለን” እዩ ዝኸውን፡፡

መረዳእታ አይተረከበን ዝብል መስሐቂ እዩ፡፡ መረዳእታ ዘይሓዝካዶ “ናይ መንግስቲ ስልጣን ንውልቀ ጥቅምካ ምጥቃም…” ይበሃል እዩ? ብፀረ ዲሞክራሲያዊ ነቂፍካ መረዳእታ የለን ዶ ይበሃል እዩ? ብተበላፅነት፣ ዓቕሚ ምስአን፣ ወነ ምትሐት ተነቓቒፍካዶ መረዳእታ የለን ይበሃል? ንህዝብና ዘዐሸዩ መሲሎም ሚሽጥሮም የቃልዑ አለው፡፡

“እቲ ስርዓት ጥሒሱ ገዛ ጋሕ ኣቢሉ ከፊቱ ዝሰረቐን ገዛ ጋሕ ኣቢሉ ከፊቱ ዝሰረቐ ዘሎ ምዃኑ እናፈለጠን እናሰምዐን ስጉምቲ ዘየወሰደ ወይ ዘይኣውሰደ ብዝለዓለ ደረጃ ጥፍኣት ክጥየቕ ይግባእ፡፡ እቲ ክፉት ረኺቡ ዝጠልቆመ ብኻልኣይ ደረጃ ዝእረም ምግባሩ ንህዝቢ ከረጋግእ ይኽእል፡፡” ኣቦይ ስብሓት (ውራይና 4ይ ሕታም)

እቲ 2007 ን 2008 ዓ.ም ዝበልዎ ከም ዘለዎ ኾይኑ አብ ግንቦት 2009 ዓ.ም ድማ ቀንዲ ሽግር ትግራይ ከባቢያዊነት እዩ በሉ፡፡ አብ አዲስ አበባ ንዝተመረፁ ተጋሩ አኪቦም “ከባቢነት ቀንዲ (critical) ሽግር እዩ” ኢሎም ምስማዕና ክንአምን አይካአልናን፡፡ ክሳብ ክንድዚስ አይወረዱን ኢልና፡፡ አብ you tube አቲና ደጋጊምና ሰሚዕናዮ ገሪሙና፣ ሐፊርና ‘ውን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ከም ሐደ ሰብ ኮይኑ (አፈላላዩ ብዘየገድስ) ነቲ አብ ፀሊም አፍሪካ ተዋዳዳሪ ዘይብሉ ሰራዊት አብ ምስዓር ዓብይ ግደ ዝተፃወተ ህዝቢ ድሕሪ 26 ናይ ሰላምን ዴሞክራሲ ጉዕዞ ከባቢያዊነት ዋና ሽግርና ክብሉ እንከለው ንህወሐት ዘለዎ ፖለቲካዊ ትርጉም ብዝግባእ አይተረደኦምን፡፡ ህወሐት ከባቢነት ተታባብዕ ነይራ? ህወሐት ከባቢነት ከይህልው አይትቃለስን ነይራ? ነቲ አብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝግባእ ይገልፅዶ? አብ ላዕለዎት ማእከሎትን አመራርሓ ህወሓት ከባቢነት ከም ቀንዲ ሽግር ተገምጊሙ ድዩ? ከባቢነት ባዕሉ ሽግር እንተይኮነ ተበለፅቲ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ሕማቅ ዝንባለ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን ቀንዲ ሽግር ተገይሩ ክቐርብ ከሎ አብ ትግራይ ጠቅላላ አንፈት ምስሐት እዩ፡፡ ነቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዝግባእ ተንቲንካ ካብሱሩ ክንዲ ምርአይ በብዝኸድካዮ ሽግር ምኹስኻስ፣ ምዝራእን ምሕፋስን ኮይኑ፡፡

  1. አብ ትግራይና ዋና ሽግር ዝመስለና ዓፈና እዩ፡፡ ሰብ ከይሐትት ከይሐስብ ዝመሰሎ ከይሰርሕ ብመንግስቲ ትግራይ ዝግበር ዓፈና እዩ፡፡ ትግራዋይ ኩሉ ከከም ዓቕሙ አብ ልምዓት ከይሳተፍ ዝገብር መንግስታዊ ዓፈና፡፡ ብካልእ አባህላ ንሕገ መንግስቲ ምጥሓስ፣ ሰብአውን ዴሞክራሲያዊ መሰላት ምጥሐስ ፣እቲ ሓዱሽ ትውልዲ ስልጣን ከይሕዝ ዝገብር ዓፈና እዩ፡፡ “ናይ መንግስቲ ስልጣን… ክራይ አካቢነት… ፀቢብነት ትምክሕቲ… ወ.ዘ.ተ ኩሎም ሕገ መንግስቲ ክጠሓስ እንከሎ ዝግብሉ፣ ዝሐሸ ክትግበር እንከሎ ዝሓቁ ግን ዘይሞቱ እዮም፡፡

ነቲ ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው ብምምዕባል ዓፈና ክከላኸላ ተባሂለን ዝተወደባ ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ከም በብደረጅኡ ዘለዋ ምክርቤትን ፍርድቤትን ለሚሰን ምህላወን ንሽም ኮይኑ ነቲ ናይ ፈፃሚት ዓፈና አብ ምምራቕ ይርከባ፡፡ ናይ ሲቪል ማሕበራት እውን ናይ መውደኽደኽቲ፣ መራሕቲ፣ ናይ አባላተን ረብሓ ጠሊመን ናይ መንግስቲን ህወሓትን ቀጥታን ቅርንጫፍ ኮይነን አለዋ አብ ቀረባ እዋን ማሕበር መናእሰይ ጨንፈር አዲስ አበባ ዘዳለዎ ኮንሰርት ካብ ተጋሩ መናእሰያት ዝገጠሞ ፀቕጢ፤ መንእሰይ ትግራይ ነቲ ማሕበር “አይማሕበረይን፣ አይትውክሉናን፣ መሳርሒ ገዛእቲ እምበር ናተይ ጥቅሚ አኽበርቲ አይኮንኩምን” እዩ ዝብል ዝነበረ(ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ዝተዓዘብናዮ)፡፡ እዚ ነዚ ማሕበር ጥራሕ ዝገልፅ ሓቂ ከይኮነስ ንመብዛሕቲአን ማሕበራት ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡፡

እዚ ኩነታት እዚ ንኹሉ ሕ/ሰብ ሐስይዎ አሎ፤ ብፍላይ እቲ ሐዱሽ ትውልዲ  ግን ካብ ውሽጢ ሰብ ራእይ፣ ስትራተጂታትን ጎሊሆም ከይረአዩ ንቅድሚት ከይመፁ መራሕቲ ናይ መንግስቲ ከይኾኑ ዓጊቱ አሎ፤ ጠቅላላ እኳ ክዕፍኖ እንተዘይከአለ እቲ መስርሕ ይጓተት አሎ፡፡

ሙሁር ክንብል እንከለና እቲ ዝኮነ ድግሪ ሒዙ ናብ መራሕቲ ብጥቕሚ ተፀጊዑ ዝበልዎ ብ”ሙሁራዊ ቅብኣ” ዘማላክዕ ዘይኮነ እቲ ናይ እማን አብ ፅንዓትን ምርምርን ዝአምንን ብቀፃልነት ዝሳተፍን ካብኡ ንላዕሊ ድማ ናይ ባዕሉ ጥቕምን ክብርን ምስ ናይ ህዝቢ አተአሳሲሩ ዝርኢ፤ ናይ ባዕሉ ቅዋም ዘለዎ ብቅልጡፍ ናብ ስልጣን ክመፅእ ይግባእ፡፡ ለሚኑ ዘይኮነስ ብውነ ዝተሃቀነ ከይዲ ገይሩ፡፡ ሰብ ስልጣን ትግራይ ነዚ ዘሳልጥ ኩነታት እንተፈጢሮም ናይ ስውአት ክብሪ ዝሕልው ዝተቐደሰ ተግባር እዩ፡፡

እቲ ብሃፍቱን ብፈጠራያነት ስራሕ   (Entrepreneurship) ዓቅሙን ንህዝቢ ትግራይ አብ ምልማዕ ዓብይ ተራ ክፃወት ዝኽእል በዓል ሃፍቲ ብዝተፈላለየ ስንክሳራት ክሰርሕ ስለዘይከአለ ናብ ካልእ ክልላት ሃገርና ከይዱ ክሰርሕ ተገዲዱ፡፡ ገሊኦም መራሕቲ “አብ ትግራይ ክሰርቕ ስለዘይከአለ እዩ” ዝበርስ ዘሎ ይብሉ፡፡ አይ ናይ ፖለቲካ ድክነት!!

ምዕንቃፍ ዋና ስርሑ ዝኾነ ሲቪል ሰርቪስ ተፀፍፂፉ ከምቲ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ዝበልዎ “አሰራርሓ ዘየቃላጥፍ ክእለት ዘይብሉ ዓርሰ እምነት ዘይብሉ መዓት ሰብ አብ ሲቪል ሰርቪስ ተሸግሺጉ” (ውራይና መስከረም 2008ዓ.ም)። ናይ ትግራይ ኩነታት ጠንካራን ናይ ስቪል ሰርቪስ ትካል ንምምስራት ብጣዕሚ ዝምችው ኩነታት ነይሩ፡፡ በሊዕናዮ (squander ኮይኑ)። ዝወየነ ህዝቢ፣ ንመስዋእትነት ዝተቀረበ ካድረ፣ አያታትናን አሕዋትናን ዝጀመርዎ ቃልሲ ክንዛዝሞ ኢሉ ማችኡ ገዲፉ ናብ ትግራይ ዝወሐጀ ዝተምሃረ ትግራዋይ ነይሩ፡፡ አብ ባዕሉ ዝተአማመን፣ ንህዝቢ ትግራይ ከገልግል አለኒ ዝብል ሞያ ዘለዎን እቲ ዘይብሉ እውን ክመሃር አለኒ ዝብል ዝነበረ ኩነታት እንጦርጦስ አእቲናዮ፡፡ ከምቲ ሐደ ተሳታፊ “ሙሩፃት ተጋሩ” ናይ አዲስ አበባ  አኼባ ዝበልዎ ናይ ትግራይ ሲቪል ሰርቪስ “በሊዖም ዘይፀግቡ ቡኳርያታት” መዐንደሪ ኮይኑ፡፡

  1. ትምህርቲ ብስፍሐት ተዘርጊሑ፡፡ ፅርየቱ ግን አብ ዝተሐተ ደረጃ ኮይኑ ይቅፅል ስለዘሎ  ሰብአዊ ልምዓትና ተረሚሱ፡፡ አብ መጀመርያ 10-15 ፅርየት ትሑት እዩ ምባል ዘረዳድእ እዩ፡፡ ድሕሪ 26 ዓመት ግን በቲ ዝርገሐ ትምህርቲ እናኮራዕና ክንነብር አይንክእልን፡፡ ብውሕድ  ቀስ ብቀስ እናማዕበለ ዝኸይድ ፅርየት ትምህርቲ ክህልው ይግባእ፡፡

ትምህርቲ ንኩሉ ህዝቢ መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅእ (game changer) እዩ፡፡ ብፍላይ ምስ ናይ ትግራይ ፍልስፍና፣ ናይ ሃይማኖት፣ ታሪካዊ ኩነታትን፣ እቲ ብወያነ ዝበለሐ ህዝቢ፣ ዝለምዕ፣ ናይ ተፈጥሮ ዓይነትን ከም ብጣዕሚ አወንታዊ ኩነታት፤ ናይ ዋሕዲ ዝናብን፣ መሬት ፅበት ከም ሽግር ወሲድካ ክረአ እንተሎ ትምህርቲ ወሳኒ እዩ፡፡  ከም አጀማምራ ናይ ትግራይ ኢሊት ንምፍጣርን ንምሕያልን ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ተመስሪቱ፡፡ ብራእይ ዝተመርሐ ይበል ዘብል ፅቡቅ ነይሩ፡፡ አብ ትግራይ 10-20 ቃላሚኖታት ክህልዋ እናተገብኡ እታ ዝነበረት እውን ተረሚሳ፡፡

እቲ ሕማቅ ፖለቲካዊ ኩነታት ንትምህርቲ አዐርዩ ፀልይዎን ናይ ትምህርቲ ቤት ሓላፊነትን መምህራንን ቀንዲ መዐቀኒኦም ናይ ምምሃር ምስትምሃር መስርሕ ሙኳኑ ተሪፍዎ ንህወሐት ብዘለዎም ቅርበት ይኸውን፡፡ ፅቡቅ ንሰርሕ አለና ንዝብል ፀብፃብ መማልኢ ኮይኑ ናይ መምህራን መገምገሚ ክንደይ ተምሃሮ አሕሊፍካ ኮይኑ ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ክንዲ ምግምጋም ንፀብፃብ ምጉያይ፡፡ እዚ ናይ ሐሰት ፀብፃብ አብ ኩለ መዳይ ዝረአ ስለዝኮነ ሐደ ፀሐፊ ዝበሎ ክነካፍለኩም፡፡ “ዝነግሩና ዘለው ፀብፃባት ዳርጋ ኩሎም ናይ ሕሶት እዮም፡፡ ናይ ፀብፃብ ሓሰት ከምለበዳ ክስፋሕፋሕ ዝኸአለ፣ ሓሰት ክሰምዕ ዝህንጦ፣ ክሳብ ሐዚ ብዝከደ ታሪክ እናተጅሃረ ክነብር ዝደሊ እምበር dynamic ዘይኮነ አመራርሓ ስለዝበሐተና እዩ፡፡ ርእሲ ሓሰውትን ተዓሰብትን እናደራረዘ ዝነብር አመራርሓ ተኸርኒዑ ስለዝተቀመጠ እዩ” (ውራይና መበል 23 ሕታም)።

 ብጠቅላላ ግን ነቲ ምሁር ዝግባእ ክብሪ ዘይህብ ፖለቲካዊ ስርዓት እናሀለወ ፅርየት ዝሐለወ ትምህርቲ ክህሉው አይኽእልን፡፡ ተምሃረ ተብሃለ 10ይ ናይ ፈተና ውፅኢት “ዘይመፀሉ” ወይ ኮሌጅ ተመሪቁ ስራሕ ዝሰአኑ፣ ናብ ወፃኢ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ምስዳድ አብ ዝበዝሐሉ እቲ አብ ቤት ትምህርቲ ተቐሚጡ ዘሎ ተምሃራይ ከመይ ኢሉ እዩ ብውነ ክመሃር? ናይ ቅድሚት ዕድሉ (future) ብሩህ አብዘይኮነሉ እዋን፡፡

  1. እቲ ናይ መንገዲ፣ ሕክምና፣ ወ.ዘ.ተ ዝአምሰሉ መሰረተ ልምዓታት እውን አብቲ መጀመርያ ፅቡቅ እንተሰጎመ እውን ናይ ፅርየትን ናይ ምጉታትን ዕድል የጋጥሞ አለው፤ ናይ እማኖም እንተኾይኖም ሚኒስተር አባይ ፀሃየ “ህዝቢ ትግራይ ዓቅሊ ገይሩ እምበር ጥዒምዎ አይኮነን ንህወሓት ተሸኪምዎ ዝኒሀ” ቀፂሎም እውን “ህዝቢ ትግራይ እንተቐቢፁ እሞ ተተላዒሉ እንታይ ከም ዝገብር ብያታ ዘይኮነስ ብተግባር ንፈልጦ ኢና፡፡ ከመይ ሓጣጢጡ ክድርብየና ከምዝኽእል… (መበል 28 ሕታም ውራይና) ኢሎም ነይሮም፡፡

ከምቲ ሚኒስተር አባይ ፀሃየ ዝበልዎ እቲ ሐረስታይ እውን ከምቲ ሙሁር፣ በዓል ሃፍትን ሸቃላይን አይመቸዎን ጥራሕ ዘይኮነ “እናቀበፀ” ይከይድ ከምዘሎ ምፍላጥ የድሊ፡፡

4. ትግራይና ከመይ ነሰጉማ ?

.      ብቀዳምነት ንውሽጥና ንርአ

ህዝቢ ትግራይ ብባዕሉ እዩ ዝለምዕ። ብትካቦ ኣይነብርን ኢሉ እዩ ዝተቓለሰ። መሰረታዊ ጥንካርኡ ክጎልህ እንከሎ ረብሓታቱ ይልለ፡፡ ረብሓታቱ ከመይ ኢሉ ከምዘረጋገፁ ይትልም እቲ ትልሚ ንምትግባር ዘጋጥሞ ሽግራት እውን እናላለየ እናተጋፈጦ እናሰዓረ ይኸይድ መሰረታዊ ረብሓታቱን ክብርታቱን ዘላለየ ህዝቢ ምስ ካልኦት ብሄርን ብሄረሰባት ዘለዎ ዝምድና አጠናኪሩ ልምዓቱ ከሐይል ይቃለስ፡፡ ቁርምርም እናበለ ብትሕትነት እዚአ ኮይና እዚአ ጎዲላ እናበለ ዝነብር ህዝቢ አይኮነን ህዝቢ ትግራይ ንናይ ሓባር ረብሓን ክብርታትን ብሓባር ንቃለስ ኢሉ ናይ ኻልኦት ህዝብታት ጥንካረ መሰረት ገይሩ ዝዕድም፣ በአዎንታ ዝገልፅ፣ ምሕዝነቱ ዘጠናክር እዩ፡፡

ካብ ኩሎም ፀጋታትና ወሳኒ ፀጋ ናይ ሰብ ሐይልና እዩ፡፡ ናይ ሰብ ሓይልና ንምንታይ ዘይማዕበለ ዝብል ሕቶ ምምላስ እዩ ናብ ውሽጥና ምርአይ ዝጅምር፡፡ ከምቲ ማህሌታዊ ያሬድ “ኣእምር ወጠይቅ”/“ንክትፈልጥ ሕተት” ዝበሎ እዩ፤ ንምነታይ ኢልና ክንሓትት ኣለና፡፡ እዚ ፍልስፍናዊ አባህላ ዓለም ብዝግባእ ንምድህሳስ (discuer) ንምግባር ብምሕታት ፍልጠት (knowledge) ምውሕላል ካብ ተፈጥሮን ካልኦትን ንምምሃር ምሕታት የድሊ፡፡

በብደረጅኡ ዘሎ ሰብ ማለት ካብ ዘይተምሃረ ሐረስታይ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ዝበሃል ሙሁር ናይ ባዕሉን ናይ ጠቅላላ ሕ/ሰብ ዝተዋህለለ ዓቕሚ ብምሕታትን ብምምርማርን እዩ ዝምዕብል። እቲ ህፃን ክሓትት ፍልጠቱ ክማዕብል፣ መንእሰይ ዓዱ ናቱ ሙኳና እናረጋገፀ ክከይድ፣ ዓበይቲ ድማ ሙሉእ ዕድሜኦም ዘዋህለልዎ ተሞክሮ ብምሕላፍ ናይዚ ኩሉ ውፅኢት እዩ ሰብ ለሚዑ ንተፈጥሮ ዝቅይር፡፡

እቲ ምሁር ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ሽግራት ዝፈትሐ ራእይ እንታይ እዩ? ነዚ ምትግባር ዝወፁ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን ከመይ ዝበሉ እዮም ክኾኑ ዘለዎም ኢሉ ብቀፃልነት ብምሕታት ብፅንዓትን ምርምርን ንክሕንፀፁ አብ ውሽጢን ምስ መላእ ሕ/ሰብ እናተመያየጠን ግብረ መልስ (feed back) እናረኸበን ክትግበሩ እንተለው መሊሱ እናሓተተ ቀፃልነት ዘለዎ ምምሕያሻት ከካይድ አለዎ፡፡ እቲ ሸቃላይ በዓል ሃፍትን ካልኦት ናይ ሕ/ሰብ ክፋላትን ብተመሳሳሊ መንገዲ ህዝቢ ትግራይ ብጠቅላላ ዝሃቦም ናይ ልምዓት እጃም (task) ከወፍዩ ክሓቱ ክመራማሩ ዘኽእል ሃዋህው የድሊ፡፡

ክንለምዕ እንተኾይና እዚ ሃዋህው እዚ አሎዶ የለን? እዩ ክኸውን ዘለዎ ቀንዲ ሕቶና ነዚ ሃዋህው ክህልውን ብቐፃልነት እናሰፈሐን እናዓሞቐን ክኸይድ ዴሞክራሲያዊ ትካላትና አብ ቦተአንዶ አለዋ ካልእ ካብኡ ዝስዕብ እዩ፡፡ እዚ አብ ላዕሊ ዝተገለፀ ሃዋህው ሰብእዋን ዴሞክራሲያን ናይ ህዝቢ ብምክባር ዝፍፀም ስለዝኾነ፡፡

ብምጥቕላል ናብ ውሽጥና ንርአ ክንብል እንተለና አብ ትግራይና ዴሞክራቲክ ስርዓት እናተጠናኸረዶ ይኸይድ አሎ? ውፅኢት ናይ ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው ራኢ ዘለዎም ናይ አስታት 6ሚልዮን ዝኸውን ህዝብና ህዝቢ ፍልጠት (knowledge)፣ ክእለት (skill)፣ ተበግሶ (innovation) ብታሪክ ዝተዓደሎ ዓቕሚ አዋዲድና ንትግራይ ንቕድሚት ንምስጓም እዩ፡፡

አብ ላዕሊ ብዘልዓልናዮ መሰረት ክንሐትት፣ ክንፈልጥ፣ ክነተግብር፣ መሰልና ክነረጋግፅ፣ ብኡ አቢልና እውን ክንዲ ዝደለናዮ ከይንለምዕ መን እዩ ኸልኪሉና? ብናትና አረዳድአ አብ ሕ/ሰብና ንቶም ጥንካረታትና ዝሽፍኑ ድሕረታትን መንግስቲ ትግራይን እዮም፡፡ ካልኦት ምክንያታት ናይ ደገ እንኮላይ አብ ፌደራል ዝህልወና ቦታን ካብኡ ዝድለ ድጋፍ ዘይንረኽበሉ ምክንያት እንተልዩ ንህና ስለዝደኸምና እዩ፡፡ “ፌደራል መንግስቲ የግልለናሎ” ዝብል ናይ ገለ ገለ ሰባት ሕቶ ይሰማዕ እዩ፡፡ ብመሰረቱ ፌደራል መንግስቲ ማለት ህወሓት ዘለዎ መንግስቲ እዩ፡፡ ቀፂሉ ልምዓት ትግራይ ብዋናነት ዝረጋገፅ ብመንግስትን ህዝብን ትግራይ እዩ፡፡ እዛ ነገር እዚአ ካብ አንፈት መንእሰይ ትግራይ ንምዝባዕን እቶም ለማሳት ሓለፍቲ ተጠየቕቲ ከይኾኑን ዝግበር ምርብራብ አካል ከይኸውን፡፡ ድኽመትካ ንኻሊእ ደጋዊ ኣካል ምሃብን (ኤክስተርናላይዝ ምግባር) ምልጋብን ዘየጠራጥር ናይ ውድቀት መንገዲ እዩ ይብል  ስብሓት ኣብዝሓለፈ ወርሒ ብማሕበር መንኣሰይ ትግራይ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ንዝተሓተመት መፂሄት ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ “….መጀመርያ ኣብ ክልል ክነረጋግፆ ዝግበአና ለውጥን ክንረኽቦ ዝግበኣና ልምዓትን ኣረጋጊፅና ዶ ዝብል ምርኣይ የድሊ፤ ኣብ ክሊ አዙይ ዝህልው ድኽመታት ንኻሊእ ደጋዊ ኣካል ኣሕሊፍካ ምሃብን ብዝህልው ለውጥታት ምዕጋብን ኣየድልን። … ኣብ ኢድና ዘሎ ነገር ተሎ ተሎ እናተጠቐምናን ኣብ ልምዓት እናውዐልናን… ተወሳኺ ነገር እንሓትትን እንብህግን ክንከውን ኣለና።” ስብሓት ነጋ።

አብ ሕ/ሰብና ዝህልው ድሕረታት እናተቃለስና እናወገድናዮ ዝኸዱ ኮይኖም እቲ ዋና ተሐታቲ ግን እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ፡፡ ብመንግስቲ ትግራይን አብ ትግራይ ዝህልዎ ፖለቲካዊ ሐይልታትን እዮም፡፡ እቲ ዋና ድማ እቲ ገዛኢ ፓርቲ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብሙሉእ ነፃነት ዝንቀሳቀስ፣ ከይለምዕ ዓጊትዎ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ እዩ፡፡ አብ ውሽጢ 26 ዓመታት ዝተሰርሐ ልምዓታት መንግስቲ ትግራይ ከምዝሕበነሉ ኩሉ እቲ ጠቅላላ ኩሉ መዳያዊ ምዝሕታል ተሓታቲ እቲ አካል እዩ፡፡

እዚ እውን ብዋናነት እቶም መሰረታዊ ሰብእዋን ዴሞክራሲያዊ መሰላት አብ ምክልካልን አብ ምጉልባትን ከም መንግስቲ ዝበለ ብጣዕሚ ሐያል አካል ስለዘየለ፡፡ በዓል ገንዘብ፣ በዓል ጠበንጃ፣ በዓል ስልጣን ስለዝኾነ ከይንሐትት ዝተማልአ ፍልጠት ከይህልወናን ተግባራዊ ከይንገብሮን ዘኽእለና ዋና ሐይሊ መንግስትና እዩ። መንግስትና አንበሳ ልምዓት፣ አንበሳ ዴሞክራሲ ዘይኮነስ “አንበሳ በረኻ ዘይዳነ”፤ አንበሳ በረኻ ዘይዳነ ማለት ሕጊን ድልየት ሓፋሽን ዘይገዝኦ፣ ብጉልበት ዝነብር ናይ ሽፍታ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ አካል እዩ ዘይዳነ ዝበሃል፡፡ ዘይዳነ ብመሰረቱ ፀረ ዴሞክራሲያዊነት እዩ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ዘይዳነ መንግስቲ እዩ ኾይኑ ውሽጥና ንርአ ማለት እምበአር መንግስትና ነማዓራርያ ማለት እዩ ብቀንዲ፡፡

ንውሽጥና ንርአ ክንብል ከለና ብዝተወደበ መንገዲ ዘሎ ዓቕምና አወሃሂድና ናይ ባዕልና ናይ ትግራይ ፀገማት ንምፍታሕን ብሃገር ደረጃ ክነወፍዮ ዝግበአና አስተዋፅኦ ክነበርክትን ብዝግበኦ ንምዓራረይ ማለት እዩ፡፡ ካብዙይ አንፃር አርባዕተ ተአሳሲሮም እናተደጋገፉ ዝድለ ውፅኢት ዘምፅኡ ስራሕቲ ክንሰርሕ ይግባእ ንብል፡፡ እዚአቶም ድማ፡-

. ብቁዕ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክህልወና ንቃለስ

. ጠንካራ መንግስቲ ትግራይ ክህልወና ንቃለስ

. አብ ገፊሕ ፅንዓት ዝተመስረተ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ስትራቴጂ ተሓንፂፁ ንተግባራውነቱ ንረባረብ

. እቲ ሓዱሽ ወለዶ ብዝተወደበ መንገዲ ስልጣንን ሓላፊነትን ቀልጢፋ ዝርከበሉ ኩነታት ንፍጠር። ነዚአቶም በቢተራ ንርአዮም፡፡

. ብቁዕ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክህልወና ንቃለስ!

ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ነተን ዘለዋ ውድባት ከጠናኽረን ወይ ሓዱሽ ክፈጥር ታሪኽ ይሓቶ ኣሎ። ንህዝቢ ትግራይ ይጠቕሙ እዮም ናብ ዝበሎም ብዕቱብ ክዓስልን መሪሕነቱ ክወስድን እቲ ኩነታት ይጠልብ ኣሎ።  ምጥንካር ክንብል እንከለና ንሕገ መንግስትና ተቀቢለን ዘኽብራን ብብቅዓት ዘተግብራን ፓርቲታት ይህልዋና፤ ማለት ሰብአዊን ዴሞክራሲያዊ መሰላትና ፈሊጦምን አኽቢሮምን ብፅቡቕ ራእይ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን ናይ ምፍፃም ዓቅምን (ህዝቢ ዝቅበሎ) ሒዞም ይንቀሳቀሱ ማለት እዩ፡፡እቲ መንእሰይ ናይ ሓባር ረብሓታትን ክብርታትን ስለ ዘለዎ ኣብ ዝኾነ ውድብ ይሰለፍ ብሓባር ናይ ምስራሕ ልምዲ ከጎልብት ኣለዎ። ውድባዊ ሓፁር  (organizational barrier) ናይ “እምባይ መን ይወርሳ” ኮይኑ ንሓበራዊ ቃልሲ ዕንቅፋት ክኾኖ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ብናይ ህወሓት መሪሕነት መስተንክራዊ ኩለ መዳይ ዓወት ኣመዝጊቡ እዩ። ብኣንፃር አዚ ውርሲ (ሌጋሲ) እቲ ኩነታት ፈሊኻን ብዝርዝር ምርኣይ ጠቐሚ ይመስለና።

ሓደ ህዝቢ ዝኾነ ጭቆና  ግፍዕን እንትበፅሖ ውን ተወዲቡ ብብቑዕ አመራርሓ እንተዘይተመሪሑ ዝሓሰቦ ከምዘይዝፍፅም ንህዝቢ ትግራይ ከምሓዱሽ  ታሪኽ ዝንግሮ ጉዳይ አይኮነን፡፡ ብቀረባ ጊዜ ዝሓለፎ ታሪኹ እዩ፡፡ ህወሓት ብቀልቢ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢራ አብቲ ቀልቢ ጎልቢታ፣ በቂዓ ንህዝቢ ትግራይ መሪሓ ናብ ዓወት አብፂሓ እያ፡፡ ብምንፅፃር ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክረአይ ከሎ ውሑድ፣ ድኻ፣ ዘይተመሃረ… ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕነት ህወሓት ፀኒዑ ስለዝተቃለሰ ክንቕነቕ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ናይ ጭቆና ስርዓት ምስ ካልኦት ህዝብታ ኢትዮጵያ ብምዃን ስዒርዎ እዩ፡፡ አብ ልዕሊ  መቃብር ናይ ጭቆና ስርዓት፣ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብናይ ህዝብታት ተሳትፎ ብዝፀደቀ ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ተመስሪቱ እዩ፡፡ እዙይ አብቲ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ደረጃ አብፂሑና አሎ፡፡

ሐዚ ግን ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝግለፅ ዝፀንሐ ናይ ህወሓት መራሕቲ ህዝብን ናይ ህዝቢ ረብሃን ማእኸል ገይሮም ምምራህ አብዮም ንንባዕሎም አብ ምትንዃል ይርከቡ አለው፡፡ ንህዝቢን ሃገርን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ዘስጉም ሓዱሽ ምዕቡል አተሓሳስባ ከመንጭው አይከአሉን፡፡ ንካልኦት ሓዱሽ ምዕቡል አተሓሳስባ ወኒኖም ብሙሉእ ጉልበቶም ክጎዩ ንዝደልዩ ምሁራት መናእሰይ ድማ ዓፅዮም መሕለፊ ከሊኦምዎም አለው፡፡ ስልጣን ሒዞም “እዛ እምባይ መን ይወርሳ” ዝዓይነቱ እናተጎጃጀሉ ናይ ስልጣን ዕድሜኦም ምንዋሕ ዋና ዋኒኖም ገይሮም አለው፡፡ እዙይ ንምዕዋት ድማ ናይ ዓፈናን ፀረ ዲሞክራሲ አሰራርሓ ብገፊሑ ዘርጊሖም አለው፤ ክጥዕሞም ከሎ ድማ ብናይ ህዝቢን መንግስትን ሃፍቲ ሰባት እናገዝኡ ኣፎም ክሓትሙ ወይ ክዋጥዩሎም ይገብሩ አለው፡፡ ሓደ ተቓላሳይ ውድብ ናብዚ ደረጃ እንተወሪዱ መድሓኒ የብሉን፡፡ ድሕሪ ደጊም በዚ ሐዚ ዘሎ “አካይዳ አነ ዝበልኩኻ ጥራሕ ስማዕ” ዝበሃለሉ መጓነያይ፣ ዓፋናይ አረአእያን አሰራርሓን ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ አኽቲቱ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክኸውን አይኽእልን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ መሪርዎ ለውጢ ይደሊ አሎ፡፡ አብ ከምዚ ዝመሰለ ኩነታት ክልተ መማረፅታት እዮም ዘለው፡፡

እቲ ሓደ አብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዘለው እቲ ኩነታት ዝተረድኦምን ዝመረሮምን ተቃለስቲ ብግልፂ ለውጢ ክመፅእ አበርቲዖም ተቃሊሶም ናይ ለውጢ ሓይሊ ክመፅእ ምግባር እዩ፡፡ እዚ ኩነታት ናይ ምዃን ዕድሉ ‘ኳ በብግዚኡ እናፀበበ ይኸይድ እንተሃለወ ፍፂሙ ዕፅው ግን አይኮነን፡፡ ስለዚ አብ ውሽጢ ውድብ በብደረጅኡ ዘለው ተቓለስቲ እዚ ናይ ዓፈናን ፀረ ዲሞክራሲን “አነ እየ ዝፈልጠልካ” ዝብል አተሓሳስባ ዝመርሖ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ነፂጎም፤ አሳታፋይ፣ ብህዝቢ ዓብይ አሜኔታ ዘለዎ ናይ ህዝቢ ሕቶን ፀገምን ተረዲኡ ናይዚአቶም ደረጃ ብደረጃ ዝፈትሕ ውድብ ንክኸውን እንተተሰሪሑ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ብዙሕ ከቢድ ዋጋ ከፊሉላ እዩ’ሞ እንደገና ተመዓራርያ ንህዝቢ አኽቲታ ሓዱሽ ታሪኽ ክትሰርሕ ዕፅው አይኮነን፡፡ እዙይ ዝኸውን ግን በቲ ሐዚ ዘሎ አመራርሓ ተመሪሓ አይኸውንን፡፡ ሓዱሽ ሰፊሕ አረአእያን ጉልበትን ዘለዎ ናይ ዘመኑ አመራርሓ የድልይ፡፡ እቲ ካልአዩ መማረፂ እቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝሓቶ ምስቲ መድረኽ ሓዱሽ ውደባ ምፍጣር እዩ፡፡ እዚ ስራሕ እዙይ ውን አብቲ ምሁር መንእሰይ ወለዶ ዝወድቕ እዩ፡፡

. ጠንካራ መንግስቲ ትግራይ ክህልወና ንቃለስ፡-

አብ በቢደረጅኡ ዘሎ መንግስቲ (ፌደራል፣ ክልል) ጥንካረኡ ዝዕቀን አብ ህዝቢ ብዘለዎ ፖለቲካዊ ተቀባልነትን፣ ብዝሓንፀፆምን አብ ተግባር ዘውዕሎም ንህዝቢ ዝጠቅሙ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን እዩ፡፡ አብ ዝሐለፈ ታሪክ ብምንባር ጥራሕ ገፊሕ ናይ ህዝቢ ተቀባልነት ዝረክብ ፖለቲካዊ ውድብን መንግስትን የለን፡፡ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተቀባልነት ምህላው ማለት ንቲ ህዝቢ ብድልየቱን ብናይ ባዕሉ ተበግሶን ናብ ገፊሕ ኢኮኖሚያዊን ማህበራውን ልምዓት ክኸትት ምግባር፣ ብፍልጠቱ፣ ጉልበቱ፣ ገንዘቡ፣ ክእለቱ ከይተቆጠበ ሀገሩ ንምልማዕ ምኽታት ማለት እዩ፡፡

ምስዙይ ናይ ሃገርና ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ሰብአውን ዲሞክራሲያውን መሰላቱ ዝተሓለወሉ፣ ከይተሸቁረረ ደረቱ ነፊሑ ዝመሰሎ ተዛሪቡን ሰሪሑን ዝነብረሉ፤ ንሰበ ስልጣን እናሰገደን እናተሸቁረረን ዘይነብረሉ፤ ብአንፃሩ ንናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣን ብአግባቡ ዝቆፃፀረሉ፣ ዝሸመሉ፣ ዘውርደሉ ስርዓት ዘለዎ ህዝቢ እዩ ጠንካራ መንግስቲ ዝፈጥር፡፡ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ዓይነት ስርዓት አብ ዘለሉ ኩነታት ናይ ሀገር ሰላም ዝሕሉ ህዝቢ ይህሉ፡፡ እዙይ ብናይ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወፃኢ ሓይልታት አብ ፀገም ክወድቅ ከሎ ውን ብድልየቱ ከም ንህቢ ይዓስል’ሞ፤ ሃገሩን ዝፈትዎ ፖለቲካዊ ስርዓትን ናይ ደም ዋጋ እናኸፈለ ይሕሉ፡፡ ጥቕልል ብዝበለ ዘረባ ሰብአውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝተኸበርሉ ህዝቢ አብ ሀገሩ ናይ በዓልቤትነት መንፈስ ዝዓሰሎ ፖለቲካዊ ስርዓት ምህላው ዋና ጉዳይ ኾይኑ ቅኑዕ፣ ፍትሓዊ ፣ስሉጥ ምሕደራ፣ ካብ ግዕዝይናን ጥቐመኒ ክጠቕመካን ዝነፀኸ ሰናይ ምምሕዳር ክህልው አለዎ፡፡

ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ንጉዳይ ዝመፀ ሰብ ብሙልኡ ሌባ መጭበርበሪ ክኸውን ይኽእል እዪ ካብ ዝብል ቀይናን አተሓሳስባ እናተበገሱ ናይ ህዝቢ ጥቅምን ናይ ሀገር ምዕባለን ካብዝጎቱ፤ ግዱሽ ሀገሩ ከልምዕ ብኡ አቢሉ ውን ባዕሉ ክጠቅም ዝሐስብ እዩ፤ ምናልባት ዘይፈለጦ ነገር ይህሉ ይኸውን ካብ ዝብል ቅኑዕ አታሓሳስባ እናተበገሱ ጌጋ እንተፈፀሙ ይሕሽ፡፡ ናይ መንግስቲ ትግራይ ቢሮክራሲ አብ ማእኸል ሃገር ዘየለዉ ንምዕባለን ቅልጡፍ አሰራርሓን ዝጎቱ ቀይድታት ምቅማጥን፣ ከመይ ገይርና ነገር ከይሰልጥ ዕንቅፋት ንፈጥር እናበሉ ዝሓስቡ እዮም ዝመስሉ፡፡ አብ ልዕሊኡ ስራሕኻ ካበብደረጅኡ ዝሕተት ኢድ መንስኢ በብገዝኡ ዘሎ ሰብ ይቑፀሮ፡፡ እዚ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም ምስቲ ዓፋናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ተደሚሮም ናይ ጠንካራ መንግስቲ ምፍጣር ተፀረርቲ እዮም፡፡ ነዚአቶም ተቃሊስኻ ምውጋድ ድማ ጠንካራ መንግስቲ ምፍጣር ከይዲ ተጀሚሩ አሎ ማለት እዩ፡፡

. አብ ገፊሕ ፅንዓት ዝተመስረተ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ስትራቴጂ ተሓንፂፁ ንተግባራውነቱ ንረባረብ፡-

አብ ትግራይ ብዙሓት ፀጋታት አለውና፡፡ አብዚ ናይ ሐዚ እዋን ድማ ናይ ትግራይ ሕ/ሰብ ዘምሃሮም ዓበይቲ ፈላጣት በብሞይኡ አለው፡፡ እተን ዩኒቨርስታት በብግዚኡ ብዙሓት ምሁራት የውፅኣ አለዋ፡፡  ካብዙይ ሓሊፉ ውን አብዚ ዘለናሉ ዘመን ዓለም አብዝበፅሐሉ ደረጃ ዘሎ ፍልጠት ብፍላይ ብኢኮኖሚያውን ማህበራውን ልምዓት ንምርካብ ፀገም የለን፡፡ ገዚእኻ ወይ ተለቒሕኻ ምምፃእ ይከአል እዩ፡፡ እዙይ ኹሉ ብምውዳድ ናይ ትግራይ ተፈጥሮአውን ጂኦግራፊያውን አቀማምጣ መሰረት ገይሩ ዝወፅእ፣ ተናፃፃራይ ረብሓና (comparative advantage) እንታይ ምኻኑን ነዙይ ኸመይ ገይርና ክንምዝምዞ ክነማዕብሎ ከምንኽእልን ዘነፅር ፅንዓትን ንፁር ስትራተጅን የድልየና፡፡ እዙይ ተሰሪሑ ንኹሎም አብዚ ጉዳይ ተራ አለዎም ዝበሃሉ አካላት ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ክፈልጦ ተገይሩ አብዙይ ክኸትት ክግበር ይግባእ፡፡ ካብዙይ ተበጊሱ ናበይ ከም ዝበፅሐ ዘርኢ ስለዝኾነ ህዝቢ ብኹሉ ዓቕሙ ክረባረበሉ ንተፈፃሚነቱ ክማወት ይገብሮ፡፡ ከምዙይ ዝመሰሉ ብገፊሕ ፅንዓት ዝወፁ ንፁር ስትራቴጂ ዝወነነ እሞ ንተግባራዊነቱ ለይትን ቐትርን ዝሰርሕ መንግስቲ ብህዝቢ አዐርዩ ይፍቶ፡፡ ጠንካራ መንግስቲ ውን ይኸውን፡፡ ካብዚ ወፃኢ ንፁር መመርሕን /ስትራቴጂን መደባትን ዘለዎ ምኻኑ ዘይፍለጥ እንተልይዎ ውን ንበይኑ አብ ውሽጡ ሒዝዎ ዝተቐመጠ አመራርሓ ንህዝቢ ከኽትት አይኽእልን፤ ጠንካራ መንግስቲ ውን አይኾንን፡፡

. እቲ ሓዱሽ ወለዶ  ብዝተወደበን ዝቐልጠፈን መንገዲ ስልጣንን ሓላፊነትን ክረክብ ንረባረብ፡-

ናይ ሓደ ሃገር ብፍላይ ከምሃገርና ዝመሰለ ገና ዘይማዕበለ ከባቢ 70% ዝኸውን ህዝበን መንእሰይ ዝኾነ እሞ ካብ ዩኒቨርስታት ተመሪቖም ወፂኦምስ ስራሕ ዝሰአኑ መናእሰይ ብብዝሒ ዘለወን ሃገራት እዚ ጉዳይ ብዓብይ ጠመተ ተራእዩ መፍትሒ እንተዘይተገይርሉ ጠንካራ መንግስቲ ዝበሃል ነገር ጥንካርኡ ከም አብ ሓሸዋ ዝተሰረተ ገዛ እዩ፡፡ አብ ትግራይ ብዙሓት ሓዊ ሓዊ ዝጨንው ዝተምሃሩ መናእሰይ አለው፡፡

እዚአቶም ብፍልጠት ነቲ ሐዚ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገም ምፍታሕ ታሪኻዊ ተልእኾኦም እዩ፡፡ እቲ ሐዚ ዘሎ ናብ ወሰን ዝድፋእ ዘሎ መንእሰይ ካብቶም ገድሊ ትግራይ ዝጀመሩ ናይ ካልአይን ሳልሳይን ዓመት ናይ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ብኹሉ መዳይ ዝበለፁ እዮም፡፡ ዓለም በፂሕዎ ዘሎ ናይ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ምዕባለ ንነዊሕ ዘመናት ዝተአከበ ፍልጠት ብሓፂር ግዜ ክረኽብዎ አኽኢልዎም አሎ፡፡ እቲ መድረኽ ዝሓቶ ፖለቲካውን ማሕበረ ኢኮኖሚያውን ፀገማት ድማ ልዕሊ እቲ ናይ ዕጥቒ ቓልሲ ወለዶን አመራርሓን ይርድእዎ፡፡ ነዚኦም ዝነፀለ ወይ ድማ ብሞቅሹሽ እናሓረየ ውሑዳት ጥራሕ ዝሐዘ መንግስቲ ጠንካራ አይኸውንን ጥራሕ ዘይኮነስ መፃአይ ተልኾውን ዝቐትል ዘሎ መንግስቲ እዩ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ንክጠናኸር ህዝቢ ብሙሉእ ዓቅሙ ንልምዓትን ሰላምን ክኸተት፣ ንቲ መንእሰይ ወለዶ ብሰፊሑ ከሳትፍ አለዎ፡፡ ናይቲ ሐዚ አብ ስልጣን ዘሎ ናይ ዕጥቒ ቓልሲ ወለዶ አመራርሓ ብአንፃር ጠንካራ መንግስቲ ትግራይ ምፍጣር መዐቀኒኡ ንቲ መንእሰይ ወለዶ ብዝተወደበን ቅልጡፍን መንገዲ ስልጣንን ሓላፍነትን ዝርከብ ዘሎ ምኻኑ እዩ፡፡ ክብዙይ ወፃኢ ከምቲ ክሳብ ሐዚ ዝፀንህዎ ስልጣን ንምንዋሕ ተዋስኦ እናሰርሑ ዝቕፅሉ እንተኾይኖም ጠንካራ መንግስቲ ዝበሃል ጉዳይ ሕልሚ እዩ፡፡ ካብ ህዝቢ ዝተነፀለን ብህዝቢ ዝተፀልዐን ጠንካራ ዝበሃል መንግስቲ ስለዘየለ፡፡ ህዝቢ ብዝኾረየ ቁፅሪ ብዝእቶ መፅብዓን ጠንካራ መንግስቲ ምፍጣር አይከአልን፡፡ አብ ፅንዓትን ዝርዝር ፕላንን ብዝተመስረተ ጭቡጥ ተግባራዊ ምንቅስቓስ እዩ ናይ ህዝቢ አሜኔታን ድጋፍን ብኡ አቢሉ ድማ ጠንካራ መንግስቲ ዝፍጠር፡፡

መንእሰይ ትግራይ ንዝደለዮ መማረፂታት ባዕሉ ተሊሙ፣ ወጢኑ ዝተወደበ ምንቅስቃስ ክጅምር አለዎ፡፡  እዚ ትውልዲ  እዩ ብዋናነት ንዛ ዓዲ ዘድሕና።  ካብ አያታቱ እሱ ዝደልዮን ዝተንተኖን ወስዱ፤ እቲ ዋና ነገር ግን ካብ ባዕሉ ዝምንጭው እዩ። ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንጡፍ ተሳታፊ ኮይኑ ዘሎ፤ ውፅኢት ንምምፃእ ብዝተወደበ መልክዕ ( እንተይ መሰየ እዩ ክኸውን ዘለዎ) ክነጥፍ ኣለዎ፡፡እዚ ድማ  ይኽእሎ እዩ፤ ምኽንያቱ፦ 1) ንቓልሲ ዝተቀረበ ህዝቢ ስለዘሎ፤ ህዝቢ ትግራይ በቲ ሕዚ ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ሕጉስ አይኮነን ጥራይ ዘይኾነ መሰረታዊ ለውጢ ይደልይ ከም ዘሎ እምኒ እንተዘይደርበየ፣ ንብረት እንተዘየቓፀለ እውን አብ ዝተፈላለየ መድረኻት ከምዝገልፆ ለውጢ ይደልይ እዩ፡፡ ቅሩብ እዩ እውን፡፡ 1967 ዓ.ም ንዕጥቂ ቓልሲ ተዳልዩ ከምዝነበረ፤ ኣብዚ እዋን ድማ ንሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ተዳልዩ አሎ፡፡ 2) ምግዛእ ዝአበዮ መሪሕነት ስለ ዘሎ፤  ሰብ ስልጣን ትግራይ ራእይ ዘይብሎም ፖለቲካዊ ኩነታት ምርዳእ ዝአበዮም ግልፂ ዕላማ ዘይብሎም አብ ዕንይንይ ዝነበሩ ኮይኖም፤ ሓደ ዝገብሮም ዕላማ ስለዜብሎም ተጎጃጂሎም ናይ ህዝቢ ረብሓ ዘይኮነ፤ ማእኸል ዝገብርዎ ስልጣን ምንዳይ ኮይኑ ነንሕድሕዶም ዘይተአማመኑ፤ ብፀረ ዴሞክራሲያዊነት፣ ብቅዓትን ወነ ምስኣንን ብናይ መንግስቲ ስልጣን ንውልቆም ብምጥቃም አተሓሳስባ ዝተገምገሙ ተጎሊቶም ንርኢ አለና፡፡ እዞም ሰብ ስልጣን ዓቕሊ ፅበት (desperate) ዘጥቀዖም ኮይኖም አለው፡፡ ንብዙሕ ዓመታት ቆላሕ ኢሎምዎ ዘይፈልጡ ህዝቢ ሕዚ ክሽንግሉ ይንቀሳቐሱ አለው፡፡ ብዝግባእ እንተይተዳለው አብ ከተማታት ይኹን ገጠር ዘይትግበር ተስፋ ይህቡ አለው፡፡ ህዝቢ ይፈትወና አሎ ክብሉ ሰልፍታት የሪኡና አለዉ፡፡ እቶም መሰረታዊ ናይ ህዝቢ ሕቶታት እናሓብኡ ፅቡቕ ከም ዝገበሩ ጎብለል ይብሉ አለዉ፡፡ 3) ዕቑር ዓቕሚ ዘለዎ ሙሁር መንእሰይ ስለዘሎ፤ ስለዘይተወደበ መሪሕነት መንግስቲ ትግራይ ክሕዝ አይካአለን፡፡ እቲ አፋፍኖት ግን ዘተባብዕ እዩ፡፡ አብተን ዝረከብወን ዓውድታት (forum) ንአብነት ማሕበራዊ ሚዲያ ብድፍረትን ተገዳስነትን ዘሎ ተሳትፎን እቲ ዝበዝሕ ቡስል አንፈታት ዘርኢ ብምኳኑ እቲ ናይ ቅድሚት መሪሕነት ዘርኢ እዩ፡፡ እቲ ኩነታት ንውዑይ ቓልሲን ተወፋይነትን መንእሰይ ይሓትት አሎ፡፡ ህዝቢ መሰላቱ ብዝበለፀ ከረጋግፅ አብ ዝቃለሰሉ እዋን፤ ሰብ ስልጣን ትግራይ ምግዛእ አብዎም ሕኹትኹት እንትብሉ፤ አብቲ ውድብ ዘሎ አብ ላዕለዎት ዓብያተ ትምህርቲን አብ ቢሮክራሲ ዘለዉ ዴሞክራሲያዊያን መንእሰያት ዓቕሞም ጠሚሮም ደረጃ ብደረጃ እናተወደቡ ናብ ዝለዓለ ዉዳበ ምስግጋር ይከአል እዩ፡፡

እዚአቶም ብድምር ጠንካራ ሕ/ሰብን መንግስቲ ይፈጥሩ እዙይ ሒዝካ ድማ ደረጃ ሚዛና ይረዝን ግቡእ ተራና’ውን ክንፃወት ንኽእል፡፡          

 

. ካብ ሕሉፍ ወያነና ንመሃር

“አብ መንጎ ትውልድታት ክህሉ ዝግባእ ውርርስ ልምዲ፣ ፍልጠትን ክእለትን ንቅድሚት ጉዕዞና ጠቐምቲ ዝበልናዮም ነጋሪት እንመሃረሉ ስለዝኸውን አብ ከይዲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መራሕቲ ህወሓትን ብዙሕ ክንመሃር አለና” ይብል ናሁሰናይ በላይ (ውራይና ሰነ 2007)። ካልአይ ወያነ ትግራይ ካብ ቀዳማይ ወያነን ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ታሪኽን ተማሂሩ እቲ ናይ ዕጥቂ ቓልሲ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ እዚ ዓወት አብ ውሽጡ ብዙሕ ሽግራት ከምዘለዎ ፍሉጥ ኮይኑ ንሎሚ ግን ካብቶም መሰረታዊ ጥንካረታት እንወስዶ ንምርአይ አብኡ ክነትኩር ኢና፡፡

አብ ናይ 17 ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝነብር አፈላላያት ብኻልአይ ደረጃ አቀሚጡ ህይወቱ፣ ንብረቱ ጉልበቱ ብዝተዋሃደ ኩነታት ተንቀሳቂሱ አብቲ ዓወት ዓብይ እጃም ዝተዓወተ አብ ቀፃላይ ወራራት ዝበፀሖ ግፍዕታት እናመከተ ምልሻ ኮይኑ፣ ናይ ሎጂስቲክስን ሐበሬታን ምንጪ ኮይኑ ደቁ ናብቲ ዝበልሐ ጫፍ ሰዲዱ፤ ሰብአይ ሰበይቲ ደድሕሪ ደቆም ከይዶም ጥይት ከቕብሉ፣ ቁስለኛ ከመላልሱ፣ ዝተሰውአ ክቐብሩ … እንታይ እሞ ክበሃል ህወሓት ዘለቕለቕ ክብል እንከሎ እናደገፈ፤ ክብርትዕ እንከሎ ምስኡ እናገስገሰ ዋና ተዋሳኢ ኮይኑ፡፡ ፍትሒ ከንግስ መሬት መቒሉ፣ ባይቶ መሰረቱ ናይ ደቂ ሰባት መሰል እውን ንምኽባር ክንዲዝከአሎ ከይዱ፡፡

ህዝብና ምስ ደርጊ ተሰሊፎም ዝቀትልዎ ገዝኡ ዘሕድር፣ ብፅሕቲ ጓሉ ዝገስሉ፣ ንብረት ዝወርስዎ ዝነበሩ ወታሃደራት እንተይተረፉ እቶም ወንጀለኛታት እቶም ዝልእክዎም መራሕቲ ደርጊ ሙኳኑ አሚኑ ነቶም ሙሩኻት ካብ ዘለዎ ነኪዩ ሓብሒቡ፣ ዝደልይዎ ክገብሩ ብምኽባር፤ አብ መንጎ ውፅዓት መሰረታዊ ቅርሕንቲ ከምዘየለ ምርድኡ ብተግባር ዘመስከረ ህዝቢ እዩ፡፡

ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ተቃለስቲ መበገሲኦም ትግራይ እንትገብሩ ከም ደቂ ሪኡ ሓብሒቡ ብሓባር ናይ ምዕዋት ምልክት ዘርአየ ህዝቢ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ናብ ማእከል ሃገር ክዘልቕ እንከሎ ንባዕሉ ኢትዮጵያዊ ሙኳኑ፣ ናቱ ረብሓን ናይቶም ካልኦት ህዝብታት ረብሓን ዝተአሳሰረ ሙኳኑ አሚኑ ደቁ ንመስዋእቲ ዘቅርብ ህዝቢ እዩ፡፡ ከም ህዝቢ መጠን እቶም ጨቆንቲ ገዛእቲን እቲ ውፁዕ ህዝብን ዝፈልይ ምስ መን ከምዝስለፍ ብውነ ዝፈልጥ፡፡

ካብ ማህፀኑ ዝወፁ ደቁ አብ ተዋጋኣይን ክፍልታትን ተወዲቦም ደጀንን ግንባርን አዋዲዶም ህዝብን ወያነን ምክልካል አጣሚሮም ናብ ዓወት ዝበፅሕሉ፤ ከም ሰራዊት ጀግና ዝተብሃለሉ፤ አብዚ ከይዲ ናይ ህዝቢ ክብርታት ተሸኪሙ ንኻልኦት ህዝብታት ሓብሒቡ ዝዘለቐ፤ ብካልኦት ህዝብታት ዝተመስከረሉ ነይሩ፡፡ ሰራዊትና ብፅኑዕ ዲሲፒሊኑን ብስለትን አምባሳደር ናይ ህዝቢ ትግራይ፤ ህወሓት ተባሂሉ፡፡ ትሑት ትምህርቲ ዝነበሮም ግን ብርቱዓት ፖለቲከኛታት ተንተንቲ ከም እኒ ኣሞራ ዝበለ ብዙሓት ዝፈጠረ ምንቅስቓስ እዩ ነይሩ፡፡

ኣብ ናይ ካልአይ ወያነ ዓወት ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ናይ ውድብ ህወሓት ተራ ግን ዝነኣስ አይኮነን፡፡ ነቲ መሰረታዊ ጥንካረ ናይ ህዝቢ ትግራይ አጉሊሁ ድኽመታት እናአረመት ስለዝመርሐቶ ነቲ ቀዲሙ ብስሉን ጀግና ዝነበረ ህዝቢ ዝጎድሎ ዝነበረ መሪሕነት መሊአትሉ፡፡ ህወሓት ትሑት አካዳሚያዊ ደረጃ ብዘለዎም ተጋደልቲ ዝተመስረተት እኳ እንተኾነት አብ መስርሕ እቲ ቃልሲ ግልፂ ዝኮነ ራእይ፣ ነዚ ዘተግብር ፖለቲካዊን ወተሃደራዊ ስትራተጂታትን ሓንፂፃን ዓቕሚ ፈጢራ እያ ናብ ዓወት መሪሓ፡፡

እዚ መስተንክራዊ ዓወት ዝመርሐ ውድብ ብዘይ ብዙሕ ሽግራትን ድኽመታትን ዝሓለፈ አይኮነን፡፡ ብዕጥቂ ቃልሲ ዝተሰነየ ወያነ ብተፈጥርኡ መሰረታዊ ድኽመታት ክህልዎ ናይ ግድን አብ ኩሎም ውድባት ምስ ዴሞክራሲ ዝተአሳሰረ ድኽመት ተርእዩ እዩ። ንግዚኡ አብቲ መሰረታዊ ጥንካረ ማእከል ገይርና ንርአ።  ህወሓት ከም መሪሕ፦

ሀ. ቅኑዕ ዕላማ ስለ ዝሓዘ፦ ማለት ናይ ህዝቢ ትግራይ ረብሓ አብ ማዕርነትን ፍትሕን ዝተመስረተ እዚ እውን ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብሄር / ብሄረሰባት ፍትሓዊ ዕላማ ከምዝኮነ

ለ. አብ ባዕሉን አብ ህዝብን ሙሉእ ምትእምማን ስለዝነበሮ

ሐ. ናይ አታሓሳስባ ድኽነት ንምውጋድ ምስ ኩነታት ንምምራሽ ብቀፃልነት ክመሃር አለኒ ኢሉ ዝአመነ ህዝቢ ፖለቲካዊ አረአእያ በሲሉ፤ ብቁዓት ካድረታት ሃኒፁ፤  መብዛሕቲኦም ናይ 3ይን 2ይን ዓመት ናይ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ዝነበሩ አብ 17 ዓመት ቃልሲ እናተሃነፁ / እናተስሓሉን ፅቡቓት ሰብ ራእይን ፖለቲካዊ ወተሃደራዊ ስትራተጅታት ዝኾኑ መራሕቲ ውድብ ፈጢሩ፡፡  እዚኦም ግን ዕማም ወዲኦም እዮም፤ ሓዱሽ ትውልዲ ክርከቦም ይግባእ ነይሩ።

ከምዚኦም ዝበሉ መራሕቲ ዝፈጠረ ወያነ (እሞ አብ ዕጥቂ ቃልሲ ኮይንካ)፤  አብ 26 ዓመት ናይ ሃገር ህንፀት መስርሕ ንፅንዓትን ምርምርን ምችው ባይታ አብ ዘለዎ ፤ ሳላ ፍረ ስውአትና ብዙሕ ዝተምሃረ ትግራዋይ አብ ዘለውሉ እቲ መራሕነት ንምንታይ ተዳኺሙ?

አብ ውሽጢ 26 ናይ ህንፀት መስርሕ ዝተስሓሉ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ ወ.ዘ.ተ ሰብ ራእይን ስትራተጂስትን የለውን ማለት ድዩ? ወይስ ተሓቢኦም? ወይስ እቲ ዕቑር ዓቕሚ እናሃለዎም እቲ ሙቹው ኩነታት ስለዘይተፈጠረሎም በዋናነት ባዕሎም ተቃሊሶም ስልጣን ክምንጥሉ ዝግበኦም እንታይ ኮይኖም እዮም አብቲ አመራርሓ ዘየለው፡፡

ብናትና ግምት ብዙሕ ዝተምሃረ ሰብ አለና፡፡ ካብዚኦም ውሽጢ ቁፅሮም ዘይነዓቅ ብቁዓት መራሕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ አለውና ባዕሎም ቃልሲ አሕይሎም ገና አይወፁን፤ አብ መስርሕ እዮም ዘለው ። እቲ “አንበሳ በረኻ” ድማ ስልጣን ጥዒምዎ አብ ዕጥቂ ቃልሲ ዝነበረ እዩ ዝመርሕ ኢሉ እናደረዐ፤ ነቲ ምሁር ምችው ባይታ ክፈጥር እናተገበኦ ዝኹርኩም፣ ንባዕሉ አይበቕዐ፣ ንብቑዓት መናእሰያት ዘየቕርብ ስንኩል መሪሒነት እዩ ዘለና፡፡ አብዚ እዋን እዚ ብውሕድ እቲ ዝበዝሕ ካብቲ ሓዱሽ ትውልዲ ክኾን ይግባእ ነይሩ፡፡ ንምንታይ ግን ድሕሪ 26 ዓመት ከምዙይ ኮይኑ?

ሐ.    ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ኮይና ንገስግስ!

ትግራዋይነት ካብ ኢትዮጵያዊነት ነፂልካ ንምርአይ አፀጋሚ እዩ፡፡ ዓብይ ክፋል ናይ ታሪካዊት ኢትዮጵያ አብ ትግራይ ዝተፈፀመ እዩ፡፡ ቅድመ/ድሕረ አክሱም ስልጣነታት፣ ናይ ዘመነ መሳፍንቲ ምትሕውዋሳት፤ አንፃር ናይ ወፃኢ ሃገራት ወራራት ወዘተ ዝተካየደ ብዝሕ ዝበለ አብ ትግራይ እዩ፡፡ ትግራዋይ ምእንቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ፡፡

ሃፀይ ዮሃንስ ምፅዋዕ ካብ ኢድ ጣልያን ሐራ ንምውፃእ ካብ ዘንገርዋ ናይ ክተት አዋጅ ኢትዮጵያዊነት ዝምልከት ከምዚ ኢሎም ነይሮም…

            “የኢትዮጵያ ልጅ ሆይ! ልብ አድርገህ ተመልከት ኢትዮጵያ የተባለች ሃገር

            አንደኛ እናትህ ናት

            ሁለተኛ ዘመድህ ናት

            ሶስተኛ ሚስትህ ናት

            አራተኛ ልጅህ ናት

            አምስተኛ መቃብርህ ናት 

እንግዲህ የእናትህ ፍቅር፣ የዘመድህ ክብር፣ የሚስትህ ደግነት የልጅህ ደስታ የመቃብር ከባትነት (ገመና ከታችነት) እንደ መሆኑ አውቀህ ተነስ ተከተለኝ” የማነ ገ/መስቀል (2009 ፡ 20) የትግራይ አርሰ አደሮች አብዮታዊ ንቅናቂ አብ ዝብል መፅሐፍ ንዘውደ ገ/ስላሰ (2007) በምጥቃስ ዝተፀሐፈ።

አብዚ ናይ ትግራይ /ኢትዮጵያ ታሪክ ኤርትራውያን እውን ዝተሳተፍሉ እዩ፡፡ ብግዝአት ጣልያን ካብ ኢትዮጵያ ተፈልዮም፣ ድሕሪ አስታት 50 ዓመታት እንደገና ናብ ኢትዮጵያ ተፀንቢሮም ዝበፅሖም ግፍዒ ተማሪሮም፤ ነፃነቶም አዋጆም ይነብሩ አለው፡፡ ደለይቲ ሰላም ተሸከምቲ ፍትሒ ስለዝኾና ውሳኔኦም ክነኽብረሎም ይግባእ፡፡ ኩነታት እንተፈቐደ እንተስ ብኮንፈደሬሽን /ፌደሬሽን ምትእስሳር ምፍጣር ንኽልቲኡ ሃገራት ጠቓሚ እዩ፡፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ፡፡ እቶም ትግርኛ ተዛረብቲ ተጋሩ ኢና/ኢትዮጵያውያን ኢና እንተይሎም ተመሊሶም ይፅንበሩ ሓንጎፋይ ኢልና ንቕበሎም፡፡ ካብኡ ዝተረፈ ንትግራዋይ ሐዱሽ መምሰላይ/አርተፊሻል ሃገር ክፈጥር አየጥዕመሉን ጥራይ ዘይኮነ ጎዳኢ እዩ፡፡ አብ ሕልኽልኽ ዘንበረና ውሽጣዊ ሽግራትና ሪኢና ከይንጥንክር፤ ከይንለምዕ መዛብዒ እዩ፡፡ ምስ ኤርትራ ከም አውስትሪያን ጀርመንን ኮይንካ ምንባር ይከአል እዩ፡፡ 

አብ ምምስራት ሃገረ ኢትዮጵያ ዘለና ታሪኽ እንኮርዓሉ፤ አብዚ መስርሕ እዚ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት እናኾነንና ኢትዮጵያ ብሓዱሽ መንፈስ አብ ናይ ኩሎም ህዝብታ ማዕርነት ዝምስረት ክኸውን ኢና ክንቃለስ ዘለና፡፡ ኢትዮጵያዊነት አብ ጠንካራ መሰረት ክህነፅ ዝገብሮ ናይ ኩሎም ህዝብታ ረብሓ አብ ሰላም፣ ልምዓት ዴሞክራሲ ሙኳኑ ምእማን ሓድነት ንኹሎም ህዝብታት እዩ ዝጠቅም፡፡ ናይ 100 ሚልዮን ህዝቢ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ድሕንነት …ወ.ዘ.ተ ቅልፅም እዩ፤ አብዛ አሸጋሪት ዓለም፡፡

ኩሎም ፅንፈኛታት፤ ኢትዮጵያውያን ነንሕድሕድና ከባእሱና ላሕ ይብሉ አለው፡፡ እቶም ዝተፈለጡ ፅንፈኛታት ጥራይ ዘይኮኑ እቶም ብሽም ዴሞክራሲ ዝምሕሉ ዝጥሕሉ ግን ድማ ህልም ዝበሉ ፀረ ዴሞክራስያዊ ሓይልታት ብሽም “የትግራይ የበላይነት” ከጎድኡና፣ ከሸቑሩሩና ንኢትዮጵያ ሃገርና ክንጠራጠራ ይፅዕሩ አለው፡፡ ተጋሩ ፅንፈኛታት /ፀረ ዴሞክራሲያዊ ሓይልታትድማ ነዚ እናጓሃሃሩ ናይ ውልቀ ረብሖኦም ከናድዩ ይሙኩሩ አለው፡፡ ንሕና ተጋሩ ንናይ ባዕልና ፅንፈኛታት ብምቅላስ አቢልና ነቶም ዝሰዓርናዮም ይኹን ሐደሽቲ አባና ዘወጣውጡ ዘለው እናዳኸምናዮም ንኺድ፡፡

ናይ ትግራዋይ ኢትዮጵያውነት ብነዊሕ ታሪኽ፣ ብመከራን ፀበባን ተፈቲኑ ዝሓለፈ ናይ ኢትዮጵያ ሕምብርቲ እምበር ናይ ወሰን ተመልካትን ናብ ካለእ መማረፂ ቆላሕ ክብል ዘግብሮን ኣይኮነን።