Front 37

“ኣንታ እዛ ዓድዋ ዓድዋ እትብልዋ

እንዳምበሳ ዶ ትኣቱ ጠዓዋ

እንዳ ድሙ ዶ ትኣቱ ኣንጭዋ

ሓንቲ ዓቐብ እያ ሓንቲ ሩባ

ክትመፀኩም ድያ ክትከድዋ”

(ዓንደጨን ወዲ ቀሺ ኣብርሃ ፀዓዘጋ)

“ኣቱም ሰባት ንዓድዋ ኣይትኺዱ

ብእሳት ጎሞራ ከይትነዱ

ኣባ በዝብዝ ካሳ ቆራፅ አያ ከብዱ”

(እተገ ድንቅነሽ ሓፍቲ ሃፀይ ዮሃንስ)

ዋ!... ያቺ አድዋ

ዋ!...

ዓድዋ ሩቅዋ

የዓለት ምሰሶ ጥግዋ

ሰማይ ጠቀስ ጭጋግ ዳስዋ

ዓድዋ…

ባንቺ ህልውና

በትዝታሽ ብጽዕና

በመሥዋዕት ክንድሽ ዜና

አበው ታደሙ እንደገና…

ዋ!

ዓድዋ የዘር ዐፅመ ርስትዋ

የደም ትቢያ መቀነትዋ

በሞት ከባርነት ሥርየት

በደም ለነፃነት ስለት

አበው የተሰዉብሽ ለት፤

ዓድዋ

የኩሩ ትውልድ ቅርስዋ

የኢትዮጵያነት ምስክርዋ

ዓድዋ

(ካብ ፀጋዬ ገብረመድኅን፡ ግጥሚ ዝተወሰደ)

ዓድዋ -ታሪኽ

ስያምን ኣመፃፅኣን

Front 36

 

ዓድዋ ዝብል ስም መብዛሕትኡ ኢትዮጵያዊን ወፃእተኛን ዝፈልጦ ምስ ኩናትን ዓወትን 1888 ዓም እናተኣሳሰረ እዩ።  ዓድዋ ዝብል ስም ኣብዚ እዋን ንከተማ ዓድዋን ኣብዙርያ ንዘለዋ ጣብያታት ንዝሓዘ ሓደ ናይ ገጠር ወረዳን መፀውዒ ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ። ቅድም ኢሉ ግን ንቡዙሕ እዋናት ኣብ ኢትዮጵያ ናይቲ ዝዓበየ ኣውራጃ ዓድዋ መፀውዒ ስም ኮይኑ እዩ ዘገልግል ነይሩ። ወዮ ግዜ ኮይኑ ሎሚ ፀቢቡ እምበር፤ እቲ ቀደምስ ን ዓዲ ኣርባዕተ፣ ኣሕስኣ፣ እገላ፣ እንትጮ ማይስሩ፣ ብዘት፣ ዓዲ ኣሕፈሮም፣ እምባሰነይቲ፣ እንዳባፃሕማ፣ እንዳፈላሲ፣ ፈረስማይ ሓሓይለ፣ዓዲ ኣቡን፣  መጋርያ ፀምሪ-መዝብር፣ ይሓ፣ ዳዕሮ ተክሊ ወዘተ ዝበሃሉ ብዙሕ ታሪኽን ቅያን ዝሓቖፉ ወረዳታትን ከባብታትን ሓቑፉ ዝሓዘ ስያም እዩ ነይሩ ዓድዋ ማለት። ሎሚ እውን እንተኾነ ካብ ሕልና ሰብ ዝተፈሓቐ ኣይኮነን፤ ዓድዋ እንትበሃል ነዞም ከባቢ እዩ ዘካትት ሰብ ብሕልንኡ። ዓድዋ ዝብል ስም ዓወት ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊ ወራሪ ተተሓሒዙ እውን ዝለዓል እዩ። ብፍላይ ካብ ዓድና ወፃእ ዘሎ ሰብ ዓድዋ ዝብል ከም መወከሊ ሓቦን ፅንዓትን፤ ከም መርኣያ ጅግንነትን ዓወትን ገይሩ ይወስዶ፤ ልክዕ እዩ ኸዓ ዓድዋ ዓዲ ማቱ ክጎብጥ ተሃኒኑ ዝመፀ ምኩሕ ፀላኢ ብጥሙር ቅልፅም ኢትዮጵያውያን ሕፍረት ዝተጎለበበሉ ቦታ እዩ።

ብዝኾነ ዓድዋ ንመን ከም መፀውዒ የገልግል ዝብል እዙይ ኢልና፤ ዓድዋ ዝብል ቃል ብስሩ መዓዘን ከመይን መፂኡ? ብኣፈታሪኽ ይኹን ብሰነዳዊ መረዳእታ እንታይ እንታይ ዝብሉ ትረኻታት ንረክብ ንርኣይ።

ብመጀመርታ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ተኣማንነት ዘለዎ ፅሑፍ እምኒ/ኢንስክሪፕሽን እንትንፍትሽ፤ ኣብ ካልኣይ ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተ ክርትሰቶስ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ ብሓደ ናይ ኣክሱም ንጉስ ዝተፀሓፈ (ኣብ ኣድሉስ ዝተረኸበ) ፅሑፍ እመኒ “ኣዋ” ዝብል ሽም ቦታ ኣቐሚጡ ኣሎ። እዙይ ድማ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ቅርሲ ኣዋ ዝበለ ዓድዋ ንምባል እዩ ኢሎሞ ኣለው። ኣብ ራብዓይ ክፍለዘበን ዝነበረ ንጉስ ኣክሱም ሃፀይ ኢዛና እውን ብተመሳሳሊ ዓድዋ ዝብል ኣብ ናይ እመኒ ፅሕፉ ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ፅሑፍ ዝተገለፀ ድማ ኣብ 503 ዓም ከባቢ ናብ ኣክሱም መፂኡ ዝነበረ ልኡኽ/ድፕሎማት ባዛንታይን/ሮማ ን ንጉሱ ኣብ ዘቐረቦ ፀብፃብ፤ ካብ ኣኽሱም ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ ዓድዋ ዝበሃል ዓዲ ከም ዘሎ እሞ ካብ እትግምቶም ንላዕሊ ብዙሓት ኣንበሳታት ሓራምዝን ካልኦት እንስሳ ዘገዳምን ዘለዉዎ ብጣዕሚ ዱር ከም ዝኾነ ይገልፅ።

ብሻድሻይ ክፍለ ዘመን ከም ዝመፁ ዝእመነሎም ትሽዓተ ቅዱሳን እናተበሃሉ ዝፅውዑ እኒ ኣባ ገሪማ፣ ኣባ ኣረጋዊ፣ ኣባ ፃሕማ ወዘተ እውን ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ናይ ትርጉም ስራሕትን ዘዳልውዎ ዝነበሩ ካልኦት ፅሑፋትን ዓድዋ ዝብል ሽም ተጠቒሞም ኣለው። (መፃሕፍቲ ዶ/ር ሃብተማርያም ኣሰፋን መስፍን ኣእምሮን ብዛዕባ እዙይ ይዛረቡ እዮም)።

እዚ ክሳብ ሐዚ ዝረኣናዮ ሰነዳት ታሪክ መሰረት ገይርና እዩ። ዓበይቲ ኣዘራርብና እንረኽቦ ኣፈታሪኽን፤ ገለ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዘስፈርዎ ዛንታን ድማ ካሊእ ናይ ባዕሉ ትረኻ አኒሀዎ። ብዙሓት ዓበይቲ ዓዲ ዝኣምንዎ “ዓድዋ “ማለት “ኦድዋ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመፀ እዩ፤ ትርጉሙ ድማ ከበብዋ/ዞርዋ ማለት እዩ። እቶም ትስኣቱ ቅዱሳን ዳርጋ ኩሎም ኣብ ዙርያ ዓድዋ ከቢቦማ ስለ ዝርከቡ ብኡ ምኽንያት ዝወፀ ስያመ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። መፂሄት ወረዳ ዓዳዋ ንዚ ስያመ አዙይ ተቐቢላ ንቲ ስያመ መፂሄታ “ኦድዋ” ኢላቶ ኣላ።

ፈላስፋን ገጣምን ኢንጂነር ኢያሱ ዘመንፈስቅዱስ(ጎርፉ) ብወገኑ THE ANCIENT TOWN OF ADWA ኣብ ዝብል ፅሑፉ “ዓድዋ” ማለት ዓዲ ካብ ዝብልን ዋ ካብ ዝብልን ክልተ ቃላት ዝመፀ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ‘ዓዲ መስተውዐልቲ’ ማለት እዩ ኢሉ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊፅዎ ኣሎ “…….meaning of the name ‘Adwa’, Some say it is a combination of two words: Adi – meaning town or land, and wa’ – meaning beware! So, they interpret: ‘land or town to beware of’.”

ዓድዋ ኣዘዩ ጥንታዊ ስለጣነ ዘለዎ ከባቢ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝረኣዩ ከምኒ ይሓ፣ ሰብዓት፣ እንዳባገሪማ፣ ወዘተ ዝበሉ ብዓይንኻ ሪኢኻ እትምስክረሎምን፤ ካልኦት ብምርምር ስነ ኳዕቲ ዝርከቡ ዘለዉ ታሪኻትን ዝምስክርሉ ኮይኑ፤ ብተወሳኺ ድማ ማዕኸን መስደመም ዝኾነ መግለፂ ስልጣነና ዝርከብሉ ከተማ ኣክሱም ምዃኑ ገና ብምርምር ክንደይ ክርከብ ከም ዝኽእል ይእመን።

ዓድዋ ከም ማእኸል ፖለቲካ/ምሕደራ

ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም ማእኸል ምሕደራን ፖለቲካን ዓድና ዳርጋ ንሓደ ሚሊንየም ዝኣከል ኣብ ሓደ ቦታ ከይረግአ ናብ ቡዙሕ ቦታተት እዩ ተዘዋዊሩ። እቶም  ከም ሃገር  ዝመርሑ ዝነበሩ ንጉሳትን ሃፀያትን ሓንሳእ ን ዛጌ ሓንሳእ ንሽዋ ካብኡ ንጎንደር ወዘተ እንዳበሉ እንትዛወሩ ከም ትግራይ ዓርሶም ኪኢሎም ንምምሕዳር ዝፈተኑ ናትና መራሕቲ እውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብዙሕ ማእኸላት ነይርዎም። ኣብቲ መጀመርታታት ካልኣይ ሚሊንየም እቲ ማእኸል ኣብ ከባቢ እንደርታ (ፊናርዋ፣ ሰለዋ፣ ሒዋነ፣ ጨለቖት፣ ገምበላ ወዘተ) እዩ ኮይኑ ፀኒሑ። ካብ 14 ክ/ዘመን ጀሚሩ ድማ ናብ ዓድዋ (እምባሰነይቲ) መፂኡ። ኣብ እምባሰነይቲ ዝማእኸሉ ምምሕዳር ትግራይ ንማእኸላይ መንግስቲ ወይ ንቶም ንጉሰ ነገሳትን ሃፀያትን ብጣዕሚ ዝፈታተን ዝነበረ እዩ። ክሳብ ምምፃእ ራእሲ ሚከኤል ስሑል እውን ገና ናብ ከተማ ዓድዋ ዝኣተወ ኣይነበረን። ኣቦኦምን ኣበሓጎኦምን (ኣቦ እንኦም) ንራእሲ ሚከኤል ኣብ ከባቢ ለጎምቲ እንዳባገሪማ ሰግሊ ከባቢታት ኮይኖም አዮም  የመሓድሩ ነይሮም።

ኣብ 1670 ታት ኣብ ዘበነ ቀዳማይ ዮሃንስ ደጃት ዘማርያም ዝበሃሉ ገዛኢ ትግራይ ማእኸል ፖለቲካዊ ምሕረደኦም ዓድዋ ምንባሩ ኣብ ዜና መዋእለ ቀዳማይ የውሃንስ ተጠቒሱ ይርከብ፤ ኣብየናይ ከባቢ ከም ዝነበረ ግን ብንፁር ንምፍላጥ ኣይተኸኣለን።  ኣፈታሪክ ከም ዝሕብሮ እውን ደጃት ማቸ ውበ ዝበሃሉ ናይ ዓድና ገዛኢ ዝነበሩ ንዝተወሰነ እዋን ማእኸል ምሕደረኦም ኣብ ዓድዋ ከም ዝነበረ ይዝረብ። ከምኡ እውን ሃፀይ ኢያሱ ቀዳማይ ብ 1686 ዓም ፖለቲካዊ ረብሓ ከተማ ዓድዋ ሪኦም ዘመሓድረሎምን ግብሪ ዝእክበሎምን ሰብ ኣቒሚጦም ከም ዝኸዱ ሙራድ ዝተበሃለ ናይ ሶርያ ነጋዳይ ኣብ ፅሑፉ ኣስፊሩ ይርከብ።

ዓድዋ ብሰፍሑ ክትፍለጥን ዓብዪ  ጠመተ ክትረክብ ዝኸኣለትን ግን ብ 18 ክ/ዘመን ብራእሲ ሚኪኤል ስሑል ካብ 1750 ታት ጀሚራ እያ። ኣብታ ናይ ሐዚ ከተማ ዓድዋ ውሽጢ ኮይኖም ትግራይ ምምሕዳር ዝጀመሩ ራእሲ ዓምደ ሃይማኖት ዝበሃሉ ሓማሴነታይ እዮም። ኣብ 1740 ታት ነሃቶም ወታደራዊ ሃላፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ራእሲ ሚከኤል ስሑል ግን ምሕደራ ራእሲ ዓምደሃይማኖት ስለ ዘይተወሓጠሎም ንዕኦም ቀቲሎም ባዕሎም ኣመሓዳሪ ትግራይ (ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ) ኮይኖም። ራእሲ ዓምዲ ሃይማኖት ኣብ ዘበኖም ምሕደረኦም ንቲ ሐዚ እንዳፅዮን ዝበሃል ቤተከርስትያን ኣስሪሖም ንቲ ከባቢ ኣኸቲመሞ።

ራእሲ ሚኪኤል ስሑል ብወገኖም እንዳገብሪኤል ሒዙ ናብቲ እንዳራእሲ እንብሎ ሐዚ ዩኒቨርስቲ ዓድዋ ፓን ኣፍሪካ ዝዓርፈሉ ዘሎ ከባቢ ኣኸቲሞም ንቲ እንዳገብሪኤል እውን ኣስሪሖም፤ ንወዶም ንደጃዝማች ወለገብሪኤል ድማ ኣረኪቦሞም። ደጃት ወለገብሪኤል ክሳብ ዓቕሞም ኣብኡ ኣብ ዓድዋ ማእኸሎም ገይሮም ንትግራይ ምስ ኣመሓደሩ፤ ቀፂሎም ሓይሎም ዝወፁን ንምሉእ ትግራይ ኣንቀጥቂጦም ዝገዝኡን ድማ ራእሲ ወልደስላሴ እዮም። ራእሲ ወለደስላሴ ክዓ ንቲ ማእኸል ምሕደራ ናብ እንደርታ (ጨለቖት) ወሲደሞ።  ራእሲ ወለደስላሴ ንኣርብዓ ዓመታት ዝኸውን ምስ ገዝኡ ካብኦም ተቐቢሎም ደጃት ገብረሚከኤል ዝበሃሉ ወዲ ተንቤን እቲ ማእኸል ናብ ተንቤን ወሲዶም ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ንትግራይ ኣመሓዲሮማ። ካብኡ ቀፂሎም ንደጃት ገብረሚኪኤል ስዒሮም ደጃት ሱባጋድስ ኣማሓዳሪ ትግራይ ኮይኖም።

ደጃት ስባጋድስ ምምሕዳር ማእኸሎም ኣብ ዓድዋ ገይሮም ን እንዳመድሃኒኣለም ገዳም ኣስሪሖም። ደጃት ስባጋድስ ምስ ራእሲ ማርየ እንትዋግኡ ምስ ሞቱ (ኣብቲ ውግእ ኩሎም እዮም ሞይቶም) ንቲ ዕድል ተጠቒሙ ገዛኢ ትግራይ ዝኮነ ደጃት ውቤ ማእኸል ምሕደርኡ ኣብ ዓድዋ ገይረ ነይሩ።  ድሕሪ ደጃት ውቤ ዝመፁ ራእሲ ኣርኣያ ድማ እቲ ማእኸል ናብ እንደርታ (ፈለግ ዳዕሮ ከባቢ) ከባቢ ወሲዶም ንትግራይ ብፅቡቕ ኣመሓዲሮማ። ድሕሪ ራእሲ ኣርኣያ ዝመፁ ሃፀይ ዮሃንስ ናይ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መላእ ኢትዮጵያ ንጉሰ ነገስት ምስ ኮኑ ንዓድዋ ማእኸል ከተመኦም ገይሮምዋ፤ ሽዑ ንሶም እውን ከምቶም ካልኦት እንዳስላሴ ገዳም ካብ ኩሉ ብዝማዕረገ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ኣስሪሖም።

ማእኸል ምምሕዳሮም ዓድዋ ገይሮም ከመሓድሩ ብዝጀመሩ፤ “ኣነ እየ ዋና ንስኻ ኣይኮንካን” ኢሎም ዝተሓነዩ ሰብኣይ ሓፍቶም ሃፀይ ተኽለጊዮርግስ ንዕኦም ክወግኡ ናብ ዓድዋ እንትበሩ፤ እተጌ ድንቅነሽ ፦

“ኣቱም ሰባት ንዓድዋ ኣይትኺዱ

ብእሳት ጎሞራ ከይትነዱ

ኣባ በዝብዝ ካሳ ቆራፅ አያ ከብዱ”

ዝበላ እሞ፤ ከምታ ዝበለኣ ድማ 60 ሽሕ ሰራዊት ሒዞም ዝመፁ ሃፀይ ተኽለጊዮርግስ 12 ሽሕ ሰራዊት ሒዞም ዝፀንሕዎም ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ሩባ ዓሰም ደኳዕዃዕ ኣቢሎም ዝሰዓርዎምን ንባዕሎም እወን ዝማረኽዎምን።

ብወገን ሓማሸን ዝነበሩ ደጃት ሃይሉ እውን ንግስነት ሃፀይ ዮሃንስ ንምቕባል ስለ ዘማትኡ ዓዶም ኣኪቦም እንታይ ንግበር ኢሎም እንትመኽሩ፤ ዓንደጨን ወዲ ቀሺ ኣብርሃ ፀዓዘጋ ኣይትኺዱ ኣየዋፀአክሙን ንምባል ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ገጠመ፦

“ኣንታ እዛ ዓድዋ ዓድዋ እትብልዋ

እንዳምበሳ ዶ ትኣቱ ጠዓዋ

እንዳ ድሙ ዶ ትኣቱ ኣንጭዋ

ሓንቲ ዓቐብ እያ ሓንቲ ሩባ

ክትመፀኩም ድያ ክትከድዋ”

እዙይ ምስበለ ደጃት ሃይሉ ተቐቢለ ኣለኹ ጎይታይ ኢሎም ለኣኽሎም ንሃፀይ ዮሃንስ ይብል መፅሓፍ ታሪኽ ሃዘጋ ፀዓዘጋ። ውዕሊ ዋዕላ ሂወት (hiwot treaty) እናተበሃለ ዝፍለጥ ሃፀይ ዮሃንስ ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ዝገበርዎ ውዕሊ እውን ኣብ ዓድዋ እዩ ነይሩ።  ድሕሪ ቅሩብ እዋን ግን ዋና ከተመኦም ናብ መቐለ ኣዚሮም ሃፀይ ዮሃንስ።

ፖለቲካዊ ታሪኽ ዓድዋ ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ እኳ ንዝተወሰነ ዓመታት እንተዛሕተለ ብዝዓብየ ዝናን ክብርን ኣብ ሙሉእ ዓለም ክትርከብ ወይ ክትለዓል ዝኸኣለት ግን ድሕሪ ዓወት 1888 ዓም እዩ። ራእሲ ኣሉላ እውን ንቲ ከባቢ ኣብ ዘመሓደርሉ ቅሩብ እዋናት ኣብ ዓድዋ ነይሮም እዮም፤ መወዳእትኡ እውን ዝሞትሉ ዝተቐበርሉን ኣብ ዓድዋ- እንዳባገሪማ እዩ።( መቓብሮም ሐዚ እውን ኣብ እንዳባገሪማ ዝርከብ ኮይኑ ብበዓል ሃፍቲ ኣቶ ዳዊት ገብረግዚኣብሄር ብዘበናዊ መንገዲ ተሰሪሑ መስሕብ ቱሪዝም ኮይኑ ይርከብ።)

ጣልያን ድሕሪ ስዕረቱ ንኢትዮጵያ ኣፍልጦ ሂቡ ናይ መጀመርያ ኢምባሲ ወይ ቆንሲላ ኣብ ዓድዋ ኣብቲ ሎሚ ቤት ትምህርቲ ተሰሪሕሉ ዘሎ ብተለምዶ ግብሪ ሃይል እናተበሃለ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝርከብ ካስትል ቅርፂ ዘለዎ ዓብዪ ገዛ ቆንሲላ ጣልያን ዝነበረሉ እዩ። ኣብ እዋን ሃፀይ ሃይለስላሴ ድማ ራእሲ ስዩም ንዝተወሰነ እዋናት ኣብ ዓድዋ ኮይኖም ንፍርቂ ትግራይ የመሓድሩ ነይሮም፦ ጣልያን ሓሙሽተ ዓመታት ንኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓደረሉ እዋን እውን ንፍርቂ ትግራይ ማለት ን ሽረ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ ባዕሉ ኣብ ዓድዋ ኮይኑ እዩ ዘመሓድረን ነይሩ። ቤት ፅሕፈቱ እውን ኣብቲ ናይ ሎሚ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ወረዳ ዓድዋ ዘሎ ብተለምዶ ፊሾ ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ። ካብ ዘበን ሃፀይ ሃይለስላሰ ክሳብ ውድቀት ደርጊ ዓድዋ ከም ማእኸል ምምሕዳር እቲ ዝሰፍሐ ኣውራጃ ኮይና ተገልግል ፀኒሓ።

ዓድዋ ከም ማእኸል ንግዲ ወይ ንግዳዊ መገጣጥም/መዳረሻ

ዓድዋ ንቲ ንዘመናት ካብ ጠረፍ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኣክሱም፣ ደሓር ከኣ ናብ ጎንደር ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ንግዲ ቁልፊ ዝኾነት መመሓላለፊት ምንባራ ተሰኒዱ ንረኽቦ። ኣቶ ኤፍሬም ወለደጊዮርግስ ብ1978 ዓም ኣብ ዝሰርሖ ናይ ቀዳማይ ድግሪ መመረቒ ወረቐት ንዚ ብዙሓት መፃሕፍቲ እናመሳኸረ ይትንትኖ እዩ።

ዓድዋ ካብ መጀመርትኡ ናይ ነጋዶን ኢደ ጥበበኛታትን ማእኸል ዕዳጋ ከም ዝነበረት ፕሮፌሰር መርእድ “ዓድዋን ጎንደርን ወግዒ ክልተ  ከተማታ” ኣብ ዝብል ፅሕፎም ኣቐሚጠሞ ኣለው።  ሶሎዳ ዝብል ብከተማ ዓድዋ ዝዳሎ መፂሄት ኣስፊርዎ ከም እንረኽቦ፤ ሃፀይ ኢያሱ ቀዳማይ ኣብ 1686 ዓም ኣብ ዓድዋ ዑደት ገይሮም ዓድዋ ሃፍቲ ዘለዋ ኣገዳሲት ዝኾነት ማእኸል ንግዲ ምኻና ተረዲኦም ግብሪ ካብ ዓድዋን ማይ ጓጓን ዝእክብሎም ገይሮም ከይዶም ይብል።

ሄኔሪ ሶልት ዝተበሃለ እንግሊዛዊ ተጓዓዚ ኣብ መጀመርታ ዓመታት 19 ከ/ዘመን ዓድዋ ካብ ተከዘ ንላዕሊ ዝነበሩ ከባብታት እታ ዝዓበየት  ከተማ ምንባራ ይገልፅ። ብተወሳኺ ዓድዋ ብዙሓት እንስሳትን ዝተፈላለዩ ናይ ዓዲ ውሽጢ ኣልባሳትን ውፅኢት ኢደ ጥበብ ዝኾኑ ኣቑሕትን ዝርከቡላ ማእኸል ዕዳጋ ምንባራ ይገልፅ ሄነሪ ሶልት።

ብ 1847 ዓም ኣባላት ሳይነሳዊ ተልእኾ ፈረንሳውያን ኮይኖም ዝመፁ ፈረትን ጋሊንየርን  ዝተበሃሉ ኣብቲ እዋን ብሃገር ደረጃ ካብ ዝነበረ 5 ዓበይቲ ከተማታት ዓድዋ ሓንቲ ምንባራ ይገልፁ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሰሙናዊ ዕደጋ ናይ ዓድዋ ካብ 5000 – 6000 ህዝቢ ከም ዝውዕሎ ፅሒፎም እዮም።

ብዘመን ሃፀይ ዮሃንስ 4ይ ኣብ 1883 ዓ/ም/ፈ ኤቢ ዋይልድ ዝተበሃለ ኢንግሊዛዊ ተጎዓዚ ዓድዋ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ከም ዝነበረት ሓቢሩ፤ እቲ ሽዑ ዝነበረ ዕዳጋ እቶም ኣቕሑት በቢዓይነቶም ብስርዓት ዝቕመጥሉ ዘበናዊ ዕዳጋ ነይሩ ይብል።

ይኹን እምበር እዚ ማእኸል ዕዳጋን ናይ ንግዲ ልውውጥን ንነዊሕ እዋናት ክዘልቕ ኣይከኣለን። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት እውን ፀረ ወራር ጣልያንን ካልኦትን ኣብ ብዙሕ ኩርንዓት ዝካየድ ዝነበረ ኲናታት ምዃኑ ይእመን።

 

ዓድዋ ምስ ትምህርትን ሃይማኖትን

ዓድዋ ካብ ቀደም ጀሚሩ ከም ማእኸል ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን እምነታትን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ኦሪት ከም ዘሎ ኮይኑ ድሕሪ ክርስትና ብፍላይ ድሕሪ ምምፃእ እቶም ትሸዓቱ ቅዱሳን ከም ሓድ መውሃቢ ትምህርቲ ስብከተ ወንጀልን ሓደ ዝተቐደ ቦታን ክርኣይ ጀሚሩ እዩ። መጀመርታ ኣብቲ ሐዚ ዓዲ ኣቡን እናተበሃለ ዝፍለጥ ተኣኪቦም ትምህርቲ ሃይማኖት የስተምህሩ ከም ዝነበሩ እዩ ዝንገረሎም እቶም ትስኣቱ ቅድሳን፤ ደሓር እውን ተበቲኖም  ዳርጋ ኩሎም ካብ ዙርያ ዓድዋ ኣይረሓቑን።

እዙይ ከም ዘሎ ኮይኑ ምስቲ ማእኸል ንግዲ ምዃን ተኣሳሲሩ ካብ ቀደም ጀሚሮም ብዙሓት ሙስሊም ዝነብርሉ ዝነበሩ ከባቢ እዩ። ኣብ ሃገርና ብቲ ዝነበረ ባህላዊ ኣካይዳ እንኮ ርስቲ ዝነበሮም ሙስሊም እውን እቶም ኣብ እምባሰነይቲ-ዓደርጉድ ዘለዉ ሙስሊም እዮም። ኣብ ደሓር ካብ ኣውሮፓ ዝመፁ ዝነበሩ ከም ናይ ከኒሻ እንብሎም ሚሽነርታት እውን ኣብ ዓድዋ ቅድሚ ዝኾነ ከባቢ ክበሃል ብዝኽእል ክሰፍሩን ከስተምህሩን ክኢሎም እዮም።

ናይዞም ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ምህላው ምስ ትምህርቲ ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። ብቲ ሓደ ገፅ አቲ ባህላዊ ትምህርቲ እንብሎ ናይ ቤተ ክህነት ትምህርቲ ብስፍሓት ይወሃብ ብምዃኑ ብቲ ካሊእ ገፅ ድማ እቶም ሚሺነሪታት ዘበናዊ ትምህርቲ ዘተኣታትዉ ብምንባሮም እዩ። ብዚ ምስ ኣውሮፓ ርክብ ፈጢሮም ዘበናዊ ትምህርቲ ረኺቦም ናብ ዓድና ዘበናዊ ትምህርቲ ዘተኣታተዊ ተወለድቲ እዚ ከባቢ ብዙሓት እዮም። ኣብ ማይ ምሻም ዘበናዊ ትምህርቲ ዝጀመሩ ሃለቃ ተቀልደ መድህን ገብሩ ብዙይ ዝጥቀሱ እዮም። ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ዘበናዊ ትምህርቲ ዝጀመሩ ተባሂሎም ዝፍለጡ እዮም (ንመጀመርታ ግዜ መፅሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ ዝተርጎሙ እውን እዮም)።

ቅድሚ ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩ ግን ኣብ ዓድዋ ዘበናዊ ትምህርቲ ዝጀመሩ ክልተ ኣሕዋት ነይሮም፤ መርሻ ወርቀን ገብሩ ወርቀን ዝበሃሉ። ብ 1800 ታት ወርቀ ዝበሃል ወዲ ዓድዋ ናብ ህንዲ ነጋዳይ ነይሩ። እዚ ሰብ ኣብ ህንዲ ብእንግሊዛውያን ዝወሃብ ዘበናዊ ትምህርቲ ረኡ ንደቁ ክመሃሩ  ብ 1829 ዓም ናብ ቦምባይ ወሲድዎም። ተማሂሮም ድማ ብ 1842 ዓም ተመሊሶም፤ ሽዑ ኸዓ ኣብ ዓድዋ ዘበናዊ ትምህርቲ ጀሚሮም። 1843 ዓም ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ከፊቶም ምምሃር ምስትመሃር ዝቐፀሉ እንትኾን ኣብ ከይዲ ብዙሕ ፀገማት ኣጋጠምዎም ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይቀፀሉን። መጀመርታ እቲ ህዝቢ ንቲ ዘበናዊ ትምህርቲ “ናይ ሰይጣን እዩ” ኢሉ ኣይተቐበሎን ነይሩ፤ ከም ዘይትዕድልቲ ኮይኑ ድማ እቶም ተመሃሮ ብሕማም ፀለውታ ልሕስ ኢሎም፤ ብድሕሪ እዙይ እቲ ህዝቢ ኣይበልና እንዶ ኢሉ ንቶም ሰባት ወቐሰይታ ምስ ኣብዘሐሎም እቲ መርሻ ዝበሃል ብፍላይ ደሓር ናብ ሃፀይ ቴድሮስ ከይዱ ዋና መማኸሪ ኮይኑ ከም ዝቐፀለ፤ ደሓር እውን ንሃፀይ ዮሃንስ ዋና ተርጓምን መማኸርን ኮይኑ ከም ዘገልገለ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ pioneers of change in Ethiopia ኣብ ዝብል መፅሓፉ ገሊፅዎ ኣሎ።

ስለዚ ዘበናዊ ትምህርቲ ንፈላማ ግዜ ዝተጀመረ ኣብ ዓድዋ ብ 1843 ዓም እዩ ዝብል እንተዝተሓዝ። አዙይ ስለ ዝተቛረፀ ከመይ ገይርካ ይተሓዝ እንተተባሂሉ ድማ ኣብ መጀመርታ 1900ታት ዘበናዊ ተምህርቲ ዘምፅኡ ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩ ኣብ ከተማ ተቐውሞ ምስ ገጠሞም ናብ ዝተወለደሉ ከባቢ ማይምሻም ወሲዶም ከምህሩ ፀኒሖም፤ ደሓር ብሃፀይ ሃይለስላሰ ድጋፍ ምስ ረኸቡ ድማ ተመሊሶም ኣብ ከተማ ዓድዋ ምስ እኒ ጎበዜ ጉሹ ዝተበሃሉ ኣማዕቢሎም ቀፂለሙሉ፤ ንሶም እካ ብዙሕ ሽግር ዘጋጠሞም እንተኾን እኒ ጎበዜ ጎሹ ግን እቲ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ኢሎም ከምቲ ሐዚ ዘለዎ ኮይኑ ከይተቛረፀ ክቕፅል ኣኽኢሎሞ እዮም። (ብሚኒሊክ ተጀሚሩ ዝብል ኣይቅብሉን ክብል ደልየ እየ)።

ዓድዋ ድሕሪ ዓወት ዓድዋ

….

ዓድዋ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ

ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዓድዋ ክህነፅ እምነ ሰረት ዝተነበረሉ ዓድዋ ፓን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ እንታይነቱን ዋና ትሕዝትኡን ክንገልፅ ኢና። ቅድሚኡ ግን እዚ ሓሳብ ከመይ እዩ ኣመፃፅእኡ? ክሳብ ሐዚ ኸ ዓወት ዓድዋ ብዝምለከት ኣብ ዓድዋ እንታይ ተሰሪሑ? እንታይ ከ ክስራሕ ተባሂሉ ነይሩ ዝብል ብሓፂሩ ዳህሲስና ክንሓልፍ።

ኵናት ዓድዋ፣ ዓወት ዝተሓፈሰሉ ዓውደ ኵናት ከም ምዃኑ መጠን ዘትረፎ ከስቢ ከም ዘሎ ኮይኑ ዘብፀሖ ማህሰይቲ እውን ግን ከቢድ እዩ። ከምቲ መምህር ሙሉወርቅ ኣብ ፅሕፉ ዝገሀለፆ ብፍላይ ኣብ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝበፅሐ ማህሰይቲ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ መላእ ትግራይ ብፍላይ ከዓ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ዝበፅሐ ብርሰት ሰብን ንዋትን ንቲ ከባቢ ከም ዘይነበረ ከም ዝገበሮ ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ “ሃፀይ ሚኒሊክ” ኣብ ዝብል መፅሓፎም፤ ደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ ድማ “ጦብላሕታ” ኣብ ዝብል መፅሓፎም ብሰፊሑ ገሊፀሞ እዮም። እቲ ዓወት ዘርከቦ ናይ ስነልቦና ዕግበት እኳ ዓብዪ እንተኾነ ክንዲ ዝከኣል ግን ኣብቲ ከባቢ ንቲ ህዝቢ ዝረብሕ ይትረፍ  ከም መዘከርታ ኮይኑ ዝረኣይ  ነገር ክሳብ ሐዚ ዘይተሰርሐ ምዃኑ ንቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝበፅሐ ክሳራ ክትዝክሮ ይገብረካ።

እቲ ዓወት ብሓቂ ታሪኻዊ እዩ። ሓደ ነገር ታሪኻዊ እንብሎ ብሰለስተ ምኽንያት እዩ ይብለና Donald N. Levine “THE BATTLE OF ADWA AS A ‘HISTORIC’ EVENT” ኣብ ዝብል ፅሑፉ፦”There are three reasons why we commonly refer to some happening as a historic event: 1) if it occurs for the first time; 2) if it is symbolically important. 3) when their consequences significantly alter the shape of subsequent history.” ኢሉ ኣቐሚጥዎም ኣሎ። ዓወት ዓድዋ ንመጀመርታ ግዜ ፀሊም ንፃዕዳ ዝሰዓረሉ እዩ ይብል ለቪን፤ ብወገነይ ግን ንዙይ ኣይቅበሎን (ብዙሓት እውን ኣይቕበልዎን)፤ ምኽንያቱ ቅድምኡ ራእሲ ኣሉላ ዘመዝገቦም ዓወታት ስለዘለው። እንተኾነ ግን ናይ ዓለም ቀልቢ ኣዕርዩ ዝሰሓበ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ፀሓፍቲ ከም ናይ መጀመርታ ይወስድዎ እዮም።

እቲ ከም ኣርማ ወይ ሓበን symbolic ዝበሎ እንተሪኢና እማን ዓወት ዓድዋ ኣዕርዩ symbolic ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ንዓና ንኢትዮጵያውያን ከም ሓደ ናይ ጅግንነትን ሰዓራይነትን ኣርማ ኮይኑና እዩ፤ መሊሱ ከዓ ኣብ ኣፍሪካ ንዝርከቡ ብዙሓት ዓድታት ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምውፃእ ከም symbolic ተጠቒሞሙሉ፣ ጃፓን ንሩስያ ክትምክት ተጠቒማትሉ፣ ጆማይካ እውን ከምኡ።

ቀፂሉ ንዘሎ ታሪክ መልክዑ ክልውጥ እንተገይሩ ኢሉ ለቪን ዝገልፆ እውን መእመኒ እዩ። ከምዚ ይብል ለቪን “ዓወት ዓድዋ ኣውሮፓውያን ንተግባሮም ተመሊሶም ክፍትሹን ክሓስቡን ገይሩ፣ ኤርትራ እትበሃል ሓዳሽ ሃገር ክትፍጠር ክኢላ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ  ጥርኑፍ ንጉሳዊ ምሕደራ ክትኣቱ ኣኽኢሉ፤ ወዘተ”።

እዚ ከምዙይ ዝበለ ታሪካዊ ፍፃመ ከመይ ተጠቒምናሉ?፤ ብፍላይ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብዝገርም ዝተሓባበርሉ ብምኻኑ እዙይ ንሓድነት ኢትዮጵያ ከም ኣርማ ኮይኑ ከገልግል እንታይ ገይርና እንተይልካ እዙይ ዝበሃል ነገር ኣይትረከብን። ኣብ እዋን ሚኒልክን ሃይለስላሴን ንሚኒሊክን ጣይቱን ዝንእዱ ዝተፈላለዩ ግጥምታት ተዋሰኦታት ተሰሪሖም እዮም። ብርክት ዝበሉ ደርፍታት እውን ከምኡ። በቢዓመቱ እውን ኣብ አዲስ ኣበባ ብሽለላን ፈኸራን እናተኸበረ ነይሩ እዩ። ደርጊ ካብኡ ብዙሕ ዝተፈለየ ነገር ኣይገበረን።

ኢህወደግ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኡ መበል 100 ዓመት ኢሉ ብ 1988 ዓም ዓብዪ በዓል ኣብ ዓድዋ ኣኽቢሩ። እዙይ ሓደ ዓብዪ ተግባር ክበሃል ዝኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ዓድዋ መዘከርታ ዝኸውን ነገር ክስራሕ ተባሂሉ እምነ ሰረት ተቐሚጡ ነይሩ ግን ኣይተሰርሐን። ንቲ በዓል ተባሂሎም ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ግን ብድሕሪኡ ገሊኦም ብመልክዕ መፅሓፍ  ተሓቲሞም ኣብ ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ሓዱሽ ትረኻ ክኽፍቱ ኪኢሎም እዮም። ንኣብነት ብመምህር ሙሉ ወርቅ ዝተፀሓፈ ራእሲ ኣሉላ ዝብል መፅሓፍ፣ ብ ደራሲ ኣታኽልቲ ሓጎስ ዝተፀሓፈ ኩናት ዓድዋን መዘዛቱን ዝብል መፅሓፍ ምጥቃስ ይከኣል፤ ደሓር እውን ብየማነ ገብረመስቀል ዝተዳለወ ባሻይ ኣውዓሎም ዝብል መፅሓፍ ኣሎ። ድሕሪ እቲ በዓል መበል 100 ዓመት ዳርጋ ን 10 ዓመት ዝኸውን ዳርጋ ተረሲዑ ፀኒሑ ክበሃል ይከኣል (ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣብ ኣዲስ ኣብባን ብሚድያ ዝግበር ሽለላን ፈኸራን ከምዘሎ ኮይኑ)።

ዓወት ዓድዋ ኣብ ዓድዋ ክኽበርን ቀልቢ ህዝቢን መንግስትን ክስሕብን ዝገበሩ ግን ውልቀሰባት እዮም፤ ሰፊሕ ፃዕሪ ገይሮም። ካብዚኦም ብቐዳምነት እትስራዕን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፋ ብኣፍሪካ ደረጃ ኣዕርዩ ክዋዓዋዕ ዝገበረትን ወይዘሮ ሳቤላ ኣባይ እያ። ወ/ሮ ሳቤላ “ ዓድዋ ን ኣፍሪካ” ወይ እውን “ ካሊእ መልክዕ ኢትዮጵያ” ዝብል ገባሪ ሰናይ ትካል ኣጣይሻ ንኣፍሪካ ሕብረትን ኢትዮጵያ መንግስትን ኣተሓባቢራ ብፍላይ ከዓ ኣብ በዓል ሚሊንየም ዝኽበረሉ እዋን እቲ በዓል ከምቲ ናይ ሚኢቲ ዓመት ደሚቑ ኣብ ዓድዋ ክኽበርን፤ እንደገና ሙዜማትን መዘክራትን ክስራሕ ቃል ተኣትዩን እምነሰረት እውን ተነቢሩን።

እዙይ እውን ግን ክስራሕ ኣይከኣለን፤ ሳቤላ እውን ብወገን መንግስቲ ብዙሕ መፅቀጥቲን ክሕደትን በፂሕዋ ተንገላትዓ እያ (ሓደ እዋን ንዙይ ዝምለከት ዳህሳስ ክንፅሕፍ ኢና)። ኣብ ሞንጎ እዙይ ናብቲ ምንቅስቓስ ዝተሓወሰ ኣቦይ ስብሓት ድማ ብርክት ዝበሉ ሙሁራን ሒዙ ንተኸታታሊ 6፣ 7 ዓመታት መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምድላውን እቲ በዓል ኣብ ዓድዋ ክኽበር ብምግባርን ዓብዪ ስራሕ ሰሪሑ እዩ። እዙይ እውን ካብ መንግስቲ (መራሕትና) ብዙሕ ዕንቅፋት ዝነበሮ ኮይኑ ክቋረፅ ግን ኣይከኣለን። ኣብቲ ከይዲ ክልተ መፅሓፍቲ ተሓቲሞም ካልኦት ድማ ኣብ ሕትመት ዝርከቡ ኮይኖም፤ እዚ ከይዲ ንቲ ሐዚ ዓድዋ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ እንበሎ ዘለና እውን ዘመንጨወ እዩ።

ካሊእ ክለዓል ዘለዎ ድማ በዓል ሃፍቲ ኣቶ ዳዊት ገ/ሄር  እዩ። ኣቶ ዳዊት ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ ምስ ከምኒ ፕሮፌሰር እንድርያስ፣ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴን ካልኦትን ሙራን ኮይኑ ዓወት ዓድዋ ብዝምልከት ኣብ ዓድዋ ሓደ ነገር ክስራሕ ብዙሕ ተንቀሳቒሱ ነይሩ፤ እዙይ እውን ከምቲ ዝድለ ዝቐፀለ ኣይኮነን። ድሓር ግን “ጉዞ ዓድዋ” ዝበሃል ጋዜጠኛታትን ከየንቲን ብእግሮም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዓድዋ ዝጎዓዙ ስፖንሰር ብምግባር በዓል ዓወት ዓድዋ ቀልቢ ህዝቢ ክስሕብን ኣብ ዓድዋ ብድምቀት ክኽበርን እጃሙ እናተፃወተ መፂኡ እዩ።

ዶ/ር ሙሉጌታ ፍስሃ ምስ ካልኦት ምሓዝቱ ኮይኑ እውን “ዓድዋ ኢኮቱሪዝም” ዝብል ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንምርባሕ ዝዓለመ ፕሮጀክት ሒዙ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዙ ነይሩ፤ እዙይ እውን ኣይቀፀለን ተቛሪፁ።

እዞም  ውልቀ ሰባት ዝገበርዎ ፃዕሪ መንግስቲ ፈትዩን ተገዲዱን ንዚ ጉዳይ ጠመተ ክገብረሉ ዓብዪ ውዕለታ ስለ ዝወዓሉ ክምስገኑ ዝግበኦም እዮም።

 

መሰረተ ሓሳብ ዓድዋ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ

እቲ ኣብ ዓድዋ ንተኸታታሊ 6፣ 7 ዓመታት ኮንፈረንስ ከካይድ ዝፀንሐ ጉጅለ ዓሚ 2008 ዓም ክልተ ኣጀንዳታት ሒዘ ቀረበ፤ እቲ ሓደ ናይቲ ተኸታታሊ ምይይጣት ውፅኢት እኩብ ፅሑፋት ዝሓዘ ዝሕተም መፅሓፍ ገምጋም ትሕዝቶ፣ ካልኣይ ድማ ብ ግዱሻት  ወገናት ዝቐረብ ምጥያሽ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓድዋ ዝብል።

ምጥያሽ ዓድዋ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ ዝምልከት ምስ ቀረበ ግዝያዊ ኮሚቴ ቆይሙ ብተኸታተሊ ስራሕ ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ግንቦት 2008 ዓም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጊዮን ሆቴል ናይ ሓደ መዓልቲ ኮንፈረንስ ፀዊዑ ሙሁራን መራሕቲ ሃይማኖትን ማሕበረሰብን  ከምኡ ‘ውን ናይ ኣፍሪካ ትካላት ዝወከሉ ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ መበገሲ መሰረተ ሓሳብ መጣየሺ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣማይጠ ብሃገር ድረጃ ዝፍሕ ዝበለ ብዙሓት ሙሁራትን ፍሉጣት ሰባትን ዘሎ ዓብዩ ኮሚቴ ኣጠይሹ።

ዓድዋ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ ምስ ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካ ሕብረት ዝናበብ ኮይኑ ዓድዋ ማእኸል/ሕምብርቲ ፓን ኣፍሪካዊነትን ህዳሰ ኣፍሪካን ክትከውን ንምግባር ዝዓለመ እዩ። እቲ መበገሲ ሓሳብ ምስ ቀረበ ብዙሕ ምይይጥ ዝተገበረሉ ኮይኑ ካብ ስያምኡ ጀሚሩ ብዙሓት መማረፅቲ ተላዒሎም እዩ ናብዚ ምርድዳእ ንምብፃእ ተኻኢሉ። ካብቶም ቀሪቦም ዝነበሩ መማረፂ ስማት ገሊኦም፦ Adwa International university, Adwa victory university, adwa freedom university, Adwa university of pan African studies, Adwa university of freedom, ወዘተ ዝብሉ ቀሪቦም ዝነበሩ እንትኾን መወዳእታ ግን Adwa pan African university ክኾን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ። ገለ ሰባት እዙይ ምስ ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ ከመይ ክሳነ እዩ ዝብል ስግኣት ዘልዕሉ ነይሮም (ብደገ ማለተይ እየ) ነገር ግን ምንም ዘዋቕዕ የብሉን ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ዩነቬርስቲ መራሒ እውን ኣብዚ ኮሚቴ ዘሎ እዩ፣ ባዕሉ ሓሳብ ዝሃበሉ እዩ፤ ስለዚ እዙይ ምስ ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ምንም ዘላትም የብሉን ዓርሱ ዝኸኣለ ኮይኑ እዩ ዝቐውም።

እቲ ሰነድ መበገሲ ሓሳብ ድሕረ ባይታ ኢሉ ናይ ኣፍሪካ ጠቕላላ ዓቕምን ሃፍትን፣ ኣፍሪካ ዝበፅሓ በደላትን ምዝመዛታትን፣ ኣፍሪካውያን ንነፃነቶም ዝገበርዎ ተጋድሎን ዘመዝገብዎም ዓውታትን፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንለውጥን ምዕባለን ዝግበር ዘሎ ገዝጋስን ዘሎ ተስፋታትን ብፅሟቅ ይግለፅ እሞ፤ ኣድላይነት ኢሉ ድማ ዓወት ዓድዋ ብዝምልከት ዝተፃሓፉ ፅሑፋትን ዝወሃቦ ኣስተምሁሮታትን(ኣብ ካሪኮለም) እካ እንተሃለዉ ክሳብ ሐዚ ንቲ ዓውት ዝምልከት ኣብ ባዕሉ ኣብቲ ኩናት ዝተኻየደሉን ዓወት ዝተሓፈሰሉን ቦታ ግን ምንም ዘይተገበረ ብምኻኑ ምምስራት አዙ ዩኒቨርስቲ ኣድላዪ እዩ ይብል። እቲ ናይ ከባቢ ህዝቢ ክሳብ ሐዚ ምንም ዘይተገበረሉን ዝበፅሖ ማህሰይቲ ንምክሕሓስ ክግበረሉ ከም ዝነበሮን ሓቢሩ አዙይ ንምግባር ፃዊዒት የድሊ እዩ ይብል።

“Adwa is the spark for the global pan African movement. Adwa imparts can do-ness and affirms the possible. It is undoubtedly a sourse of inspiration for anti colonial straggles. This key symbol of resistance and freedom deserves a permanenet institution to document and narrate the battle.” ኢሉ እውን ክዝከር ዝግበኦ ክዝከርን ክትረኽን ስለ ዝግበኣእን ናብ ወለዶ ክሓልፍ ስለ ዘለዎን እውን ምምስራት ዓድዋ ፓን ኣፈሪካን ዩኒቨርስቲ ኣድላዪ ይገብሮ ይብል እቲ ሰነድ።

ዓድዋ ፓን ኣፈሪካን ዩኒቨርስቲ ሒዝዎ ተበጊሱ ዘሎ ራእይ “ ብፍልጠት ዝኻዕበተ፣ ናይ ባዕሉ ታሪኽን ባህሊን ዝፈልጥ፣ ጠለባቱ ባዕሉ ዘማልእን ረብሕኡ ዝሕሉን፣ ሓደነታ ዝተሓለወት ኣፍሪካ ንክትህሉ ዝፅዕር፣ ንባዕሉ ሰላም ዘለዎን ምስ ካሊእ ዓለም ብሰላም ዝነብርን ማሕበረሰብ ኣፍሪካ ንምፍጣር ምትጋህ” ዝብል እዩ።

ዓድዋ ፓን ኣፈሪካን ዩኒቨርስቲ ዘለዉዎ ተልእኾታት ድማ፤ መጀመርታ ብዋናነት ኣብ ስብኣውነት፣ ማሕበረሰብ ሳይነስን ኢንፎርመሽን ተክኖለጀን ዘድሀበ ትምህርቲ ዝህብን ዝመራመርን ኮይኑ፦ “ታሪኽ ኣፍሪካ ምእካብን ምስናድን፣ ከምኡ እውን መሊስካ ኣብኡ ብዕምቆት ምምርማር፣ ምስ መሰል ናይ ኣፍሪካ ትካላት ሓቢርካ ምስራሕ፣ ንህዳስን ብልፅግናን ኣፍሪካ ዝሕግዝ ምስትምሃርን ምርምር ምግባርን፣ ወዘተ” ዝብሉ ተክልእኾታት ሒዙ ኣሎ።

ሓፈሻዊ ዕላምኡ ኣብ ዓድዋ ዩኒቬርስቲ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ስቴት ኦፍ ዘ ኣርት ዝኾነ ኮንፈረንስ ማእኸልን ሙዜምን ምህናፅ ዝብል ሒዙ ኣሎ። ካልኦት ዝርዝር ዕላማታት እውን ኣቐሚጡ እዩ።

ካብቲ ኮሚቴ ኣርባዕተ ሰባት ተወኪሎም ንቀዳማይ ሚኒስተረ ሃይለማርያም እቲ መበገሲ ሓሳብ ምስ ኣቐረብሎም፤ ቀዳማይ ሚንስተር ንቲ ሓሳብ ኣዕርዮም ፈትዮሞን ደጊፎሞን ጥራይ ዘይኮነስ እዙ ሓሳብ አዙይ ካብ ህዳሰ ግድብ ዘይነኣኣስ ኣብ ውሽጢን ወፃእን ዓብዪ ሓይሊ ከተኣኻኽብ ዝኽእልን ዝግበኦን ዓብዪ ሓሳብ እዩ ኢሎም ቆሪፆም ከም ዝድግፉ ገሊፆምልም፤ ብተግባር ድማ ገይሮምዎ። ባህሊን ቱሪዝምን ሚንስተር እውን ተሓባባሪ ነይሩ። ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ እውን ከየማተአ ንመስርሒ ዘኸውን ቦታ ኣዳልዩ ከም ዘርክብ ሽዑ ቃል ኣትዩ ገይርዎ ከዓ።

እዙታት ብምግባር ወይ ክያዶታት ድሕሪ ምኻድ እዩ ቅድሚ ሰሙናት ኣቢሉ ብዕሊ እቲ እምነ ሰረት ንምቕማጥ ዝተኸኣለ። እዚ ንምስራሕ ኣፍሪካ ሕብረትን ኩለን ኣባል ሃገራትን፣ መራሕትን ፍሉጣት ሰባትን፣ ሙሁራት፣ ግዱሻት ሰብ ሃፍቲ ወዘተ ክዋስኡ እዮም።

ኣብ ምቕማጥ እቲ እምነ ሰረት ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተረኸቡ ኮይኖም ኣብቲ እዋን ዘረባ ዝገበሩን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገርና ኮይኖም ንቲ እምነ ሰረት ዘንበሩን መራሒ ሃገረ ኡጋንዳ ፕረሰዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ቅዱስን ታሪኻዊን ቦታ ዓድዋ እዙይ ክስራሕ ምሕሳቡ ብጣዕሚ ከምዘሐጎሶም ምምፅኦም ከም ዓብዪ ትዕድልቲ ከም ዝርእይዎን ብምግላፅ ንኽውንነቱ ቆሪፆም ከም ዝሰርሑ እዮም ቃል ኣትዮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም አዚ እምነሰረት እዙይ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ እምነሰረታት ተቐሚጡ ከም ዘይቐርን ኣብ ቀረባ ከም ዝስራሕን ኣስሚሮምሉ እዮም። ፕረዚደንት ክልልና ኣቶ ኣባይ ወልዱ እውን ክልል ትግራይ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ገሊፆም እዮም። መተሓባበሪ ኮሚቴ ዓድዋ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቬርስቲ ኣቶ ቢተው በላይ እቲ የኒቨርስቲ ኣብ 2012 ዓም ስርሑ ከምዝጅምር ዝገለፁ ኮይኖም፤  እዚ ፕሮጀክት ብቲ ዝተተሓዘሉ ግዜ ክስራሕ ከም ዝኽእል ካብ ዘረባ እቶም መራሕትን ካብ ህዝቢ ዘለዎ ጠቕላላ ድጋፍን ሪኢኻ ተስፋ ዝህብ እዩ።

ክሳብ ሐዚ ንቲ ዩኒቨርስቲ መጣየሺ ዝኸውን ረቂቕ ቻርተር ተዳልዩ ኣሎ። ቦታ ተረኪቡ እዩ። ምስ ናይ መንግስቲ ዘጣየሾ ዓብዪ ኮሚቴ ብምዃን እውን ህንፀት ዲዛይን እናተዳለወ ይርከብ። ካብዙይ ቀፂሉ ዝህሉ መደብ ኣብ ሓምለ መጀመርታ ከባቢ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ዘተ international conference እዩ ክኸውን፤ ንዕኡ ተኸታቲልና ድማ ክነንብበኩም ኢና።

ዋ!... ያቺ አድዋ

ዋ!...

ዓድዋ ሩቅዋ

የዓለት ምሰሶ ጥግዋ

ሰማይ ጠቀስ ጭጋግ ዳስዋ

ዓድዋ…

ባንቺ ህልውና

በትዝታሽ ብጽዕና

በመሥዋዕት ክንድሽ ዜና

አበው ታደሙ እንደገና…

ዋ!

ዓድዋ የዘር ዐፅመ ርስትዋ

የደም ትቢያ መቀነትዋ

በሞት ከባርነት ሥርየት

በደም ለነፃነት ስለት

አበው የተሰዉብሽ ለት፤

ዓድዋ

የኩሩ ትውልድ ቅርስዋ

የኢትዮጵያነት ምስክርዋ

ዓድዋ

የኩሩ ደም ባንቺ ጽዋ

ታድማ በመዘንበልዋ

ዐፅምሽ በትንሣኤ ነፋስ

ደምሽ በነፃነት ሕዋስ

ሲቀሰቀስ ትንሳኤዋ

ተግ ሲል ሲንር ትቢያዋ

ብር ትር ሲል ጥሪዋ

ድው-እልም ሲል ጋሻዋ

ሲያስተጋባ ከበሮዋ

ሲያስገመግም ዳኘው መድፍዋ

ያባ መቻል ያባ ዳኘው

ያባ ነፍሶ ያባ ቃኘው

ያባ በለው በለው ሲለው

በለው-በለው-በለው-በለው!

ዋ!... ዓድዋ…

ያንቺን ጽዋ ያንቺን አይጣል

ማስቻል ያለው አባ መቻል

በዳኘው ልብ በአባ መላው

በገበየሁ በአባ ጎራው

በአባ ነፍሶ በአባ ቃኘው

በለው ብሎ በለው፣ በለው- በለው!

ዋ! … ዓድዋ …

ዓድዋ የትላንትናዋ

ይኸው ባንቺ ህልውና

በትዝታሽ ብፅዕና

በመሥዋዕት ክንድሽ ዝና

በነፃነት ቅርስሽ ዜና

አበው ተነሡ እደገና፡፡

… ዋ! … ያቺ ዓድዋ

ዓድዋ ሩቅዋ

የዐለት ምሰሶ አድማስ ጥግዋ

ሰማይ ጠቀስ ጭጋግ ዳስዋ

ዓድዋ…

(ካብ ፀጋዬ ገብረመድኅን፡ ግጥሚ ዝተወሰደ)