Front 33

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብዛ ሃገር (ካብ ክልል ናብ ክልል እኳ ዝፈላለ እንተኾነ) ክንሪኦ ዝፀናሕና ቅልውላውን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ከይዱ ከይዱ ብቲ ንቡር ከይዲ ክፍታሕ ስለ ዘይከኣለ፤ መንግስቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብምእዋጅ ኮማንድ ፖስት ኣጣይሹ ናብ ኣንፃራዊ ሰላምን ምርግጋዕን መሊስዎ ኣሎ።

እዚ ጉዳይ ብመሰረቱ  ብዘላቕነት መፍትሒ ክሳብ ዘይረኸበ ግን ሐዚ ‘ውን ንዜጋታት ዘተሓሳስብን ዋና መዘራረቢ ጉዳይን ኮይኑ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ኩነታት ሐዚ ‘ውን ምድህሳሱ ኣገዳሺ ይኸውን። ኣብዛ ሓፃር ፅሕፍቲ እዚኣ 1) ውድብ ኢህወደግ ከም መራሒ መንግስቲ መጠን ንቲ ፀገም ኣሚኑ ክፈትሖ እየ ኢሉ ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምር ዘሎ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኩነታት ብሓፂሩ፣ ኣብ ምንጪ እቲ ፀገም ዘሎ ኣርዳድኣን ከይዲ ኣፈታትሕኡን ብዝምልከት ዝወሃቡ ዘለው ርኢቶታት፤ 2) ብቲ ካሊእ ገፅ ድማ ኣብ ትግራይን ተጋሩን ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?፣ ህወሓት ንቲ ኩነታት ከመይ ገምጊምዎ? እንታይ ክያዶታት ከይዱ? ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ዝብል ንምርኣይ ክፍትን እየ።

መእተዊ

ኢትዮጵያ ንኣሽሓት ዓመታት ነፃነታ ሓልያ ዝነበረት ኣብዚ ዓለም እኒሀዋ ካብ ዝበሃላ ጥንታዊ ስልጣነ ዘለዎን ዕድመ-ፀገብ ዓድታት ሓንቲ እያ። ኣብ ሓደ እዋን እውን ኣብቲ ጫፍ ናይ ስልጣነ ዓለም ተቐሚጣ ዝነበረት እያ። ብቲ ካሊእ ገፅ ድማ ብዝገርም መንገዲ ጉፅዞ ቁልቁለት ናብ ድኽነትን ድሕርትን ወሪዳ ፈፈው ኢላ እያ። ካብ መጀመርታ ብሓበራዊ ምርድዳእ ህዝባ ዝተመስረተ መንግስትን እትግዘኣሉ ሰነድን ሃሊይዋ፤ ሓበራዊ ሃገራዊ ፍልስፍና ሃልዩ፣ ክብፃሕ ዝግበኦ ሃገራዊ ራኢ/ሽቶ ተቐሚጡ፣ እሞ ንዙይ መሪሑ ዝኸድ መንግስትን ሰብን ሃልዩ ስለ ዘይተኸይደ፤ ሓድነታ ዝፀንዐ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካሊእ መድረኽ እናማዕበለ ዝኸይድ  ሃገራዊ ጉዕዞ ከይወነነት ፀኒሓ።

ኣብ መወዳእታት 18 ክፍለዘመን ጥንኩር ሃገራዊ ሓድነት ንምምስራት  ዝተበገሱ ነገስታት ብሓይሊ እውን እንተኾነ ሓደ ጥንኩር ማእኸላይ መንግስቲ ምምስራት ኪኢሎም እዮም። ጥንኩር ሃገራዊ ሓድነት ንምምስራት ምሕሳቦምን ምፅዓሮምን ዝምስገን ኮይኑ፤ ነገር ግን እቲ ንህፀት ሃገር ዝተጠቐምሉ ሃገራይ/ብሄራዊ ፍልስፍና ንነባራዊ ኩነታት እዛ ሃገር ዘይተረደአ ማለት ንቡዝሃነት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይኮነስ “ሓደ ባህሊ፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ሃይማኖት…” ዝብል ብምንባሩ ህዝብታት ኢትዮጵያ ናብ ነዊሕ ናይ ማዕርነትን መሰልን ቃልሲ ክኣትው ገይርዎም እዩ።

ተባራዕቲ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ደፊእዎን ብዓለም ደረጃ ዝነበረ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ተሓዊስዎን ኣብ 1960ታት ዝተወልዐ ናይ ተመሃሮ ምንቅስቓስ ንቲ ዝነበረ ሃገራዊ ፍልስፍና ካብ መሰረቱ ንምምሓዉ ዝሃቀነ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ፣ ንቲ ዝነበረ ናይ ለወጢ ድሌትን ምንቅስቓስን ጨውዩ ስልጣን ዝሓዘ ወታደራዊ ጉጅለ ደርግ ንገለ ሕቶታት ህዝቢ (ከም መሬት ዝበሉ) መሊሰ ኣለኹ ብምባል ንቲ ሃገራዊ ፍልስፍና ግን “ኢትዮጵያ ትቕደም” ብዝብል ጭርሖ ኣዕርዩ ዓፋናይ ብዝኾነ መንገዲ ከቐፅሎ ፈተነ። ኣብዚ ሃገራዊ ፍልስፍና እዙይ ፍፁም ተቓውሞ ዘለዎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ግን ቃልሶም ቀፀሉ። ዳርጋ ኩሉ ብሄር በቢከባቢኡን በቢብሄሩን ተወዲቡ ቃልሱ ዝወለዐ እንትኾን፤ ገለ ብሄር መሰረት ገይርካ ቃልሲ ኣይጠቅምን ዝበሉ ተመሃሮ ድማ ሃገራውያን ውድባት መስሪቶም ዝቃለስሉ ኩነታት ተፈጠረ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንቶም ዝነበሩ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሕቶታት ብኣግባቡ ተረዲኡን ተንቲኑን ዝቃለስ ዝነበረ ህወሓት ንናይ እዋኑ መንግስቲ ደርጊ እናሰዓረ ምስ ከምኡ ዝበሉ ኢትዮጵያ ናይ ብዝሃነት ሃገር እያ ኢሎም ዝኣምኑ ናይ መሰል ሓርሰ ውሳነ (self determination) ሓይልታት እናተሓባበረ መንግስቲ ንምምስራት በቕዐ። ንቲ ዝነበረ “ሓደ ባህሊ፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ሃይማኖት…” ዝብል ኣሃዳዊ ሃገራዊ ፍልስፍና ግጉይ እዩ ኢሎም ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ዝፀንሑ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብታ ህወሓት/ኢህወደግ ዝቐደዳ መንገዲ፤ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሃነት ዓዲ እያ፣ አቲ ቐንዲ ሕቶ ናይ ብሄር ብሄረሰባት ናይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ሕቶ እዩ፣ ኩሎም ናይ ዴሞክራስን ሰብኣዊን መሰላት ብዚ ቅኒት ተኣሳሲሮም ክርኣዩ ዝግበኦም እዩ ካብ ዝብል መበገሲ ብመሰረቱ ንዚ ዝምልስ ሓበራዊ ሰነድ (ሕገ መንግስቲ) ብምፅዳቕ እቲ መሪር ተጋድለኦም ዛዚሞሞ ጉዕዞ ህንፀት ሓዱሽ ሃገራዊ ሓድነት ጀሚሮም። እቲ ጉዕዞ ህንፀት ሓዱሽ ሃገራዊ ሓድነት “… ዘለቒ ሰላምን ውሕስነት ዘለዎ ዴሞክራስን ክስፋን፣ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ዕቤት ክሳለጥ ብምግባር ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ተጠቒምና ኣብ ልዕልነት ሕግን ናፃ ፍቐድን ዝተመሰርተ ሓደ ናይ ፖለቲካ-ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ ምህናፅ” ዝብል ንፁር ዝኾነ ሃገራዊ ራኢ ብምሓዝ ነዚ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ዝግበር ጉዕዞ እዩ።

ብዚ ሓዱሽ ሓበራዊ ሃገራዊ ፍልስፍና  ናይ ህዝቢ ኣመኔታ ረኺቡ ዓዲ ክሃንፅን ክመርሕን ዝጀመረ ህወሓት/ኢህወደግ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ሰላምን ምርግጋእን፣ ልምዓት፣ ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ንምምዝጋብ ኣኽኢልዋ እዩ። እቲ ዝተመዝገበ ስሉጥ ኢኮኖምያዊ ልምዓት፣ ዲፕሎማስያዊ ዓወታት፣ ክሳብ ቀረባ ዝነበረ ሰላምን ምርግጋእን ከም ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ ህንፀት ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት፣ ህዝብታት ባዕሎም ንባዕሎም ዘመሓዳድሩሉ፣ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተኸባቢሮም ብሓባር ዝነብሩላ ሃገር ኣብ ምህናፅ እውን ብዙሕ ርሕቐት ተኸይዱ እዩ።

እዙይ እንትኸውን ግን ካብ መጀመርታ ጀሚሮም ንቲ ኢትዮጵያ ናይ ብዝሃነት ሃገር ስለ ዝኮነት ብመሰል ዓርሰ ውሳነ ብሄርን ብሄረሰባትን ቅኒት ዝምራሕ ሃገራዊ ፍልስፍና እያ እትህነፅ ዝብል ሰዓራይ ዝኾነ (ክኾን ‘ውን ዝግበኦ) ናይ self determination ሓይልታት ዘሰጉምዎ ኣተሓሳስባ ዝቃወሙ፣ ብቓልሲ ህብታት ኢትዮጵያ ዝተሰዓሩ፣ ፀረ እዚ ኣተሓሳስባ እዙይ ዘለዎም ናይ ኣሃዳውያን ሓይልታት ንቲ ሓዱሽ ስርዓት ዝሃቦም ዴሞክራስያዊ መሰል ተጠቒሞም ንቲ ጠቕላላ ጉዕዞ ብኹሉ መዳዩ ክቃወምዎ ፀኒሖም እዮም። ካብ እዋን ሽግግር መንግስቲ ጀሚሮም ብሚድያን ብኻልኦት መድረኻትን እዚ ሓዱሽ ሃገራዊ ፍልስፍና ወይ ኣተሓሳስባ ከምዘይጠቅም ንምርኣይ ዘሎን ዘየሎን ክብሉ ፀኒሖም እዮም። እዚኦም ንፀገማት እቲ ስርዓት ዝቃወሙ እሞ እቲ ስርዓት ፀገማቱ ኣሪሙ ክኸይድ ዝፅዕሩ ዘይኮኑስ ንቲ ስርዓት ብመሰረቱ ዝቃወሙ እዮም።

ንዚኣቶም ብዙሕ እዝኒ ከይሃበ ስርሑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ እቶም ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮም ዓወታት እኳ ዘመዝገበ እንተኾነ ከይዱ ከይዱ ግን ንጠቅላላ አቲ ጉዕዞ ናብ ሓደጋ ዘእትው ፀገማት ገጢሞምዎ ኣብ ከቢድ ፈተና ኣትዩ ከም ዝኒሀ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። መግለፅን እንታይነትን እቶም ፀገማት ከምቲ እናረኣናዮምን እናሰማዕናዮምን ዝመፃእና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ናይ ህዝቢ ቁጥዐ ፈጢሮምን ብኡ ናብ ግጭት  ኣምሪሖምን ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ክበፅሕ ክኢሉ እዩ። መወዳእትኡ እውን እቲ ህዝባዊ ቁጥዐ ብቲ ንቡር ኣሰራርሓን ኣካይዳን ንምቑፅፃር ስለ ዘይተኻአለ መንግስቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ክእውጅ ገይርዎ እዩ። ኣብዚ ፅሑፍ ኣብ ምንጭን መፍትሕን እቲ ፀገም ካብ መንግስትን ካልኦት ኣካላትን ዝቐርቡ ዘለው ኣረኣእያታት ቅሩብ ዝርዝር ኣቢልና እንተኣቐመጥና ጠቓሚ ክኸውን እዩ።

ምንጪን መፍትሕን እቶም ፀገማት ብዝምልከት ዘለዉ ኣርኣእያታት

ንቲ ዝኒሀ ከይዲ ሃገራዊ ህንፀትን ፖለቲካዊ ስርዓትን  ብጠቕላላ ዝቃወሙ ሓይልታት ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተገለፀ ካብ መጀመርትኡ ጀሚሮም ንቲ ስርዓት ዘፅላእልእን ዘናሹን ፅሑፋት ክፅሕፉን መግለፅታት ክህቡን ፀኒሖም እዮም። እቶም ኣብ መእተዊ ዝገለፅክዎም ናይቲ ዝተሰዓረ “ሓደ ባህሊ፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ሃይማኖት…”፣  “ኢትዮጵያ ትቕደም”  ዝብል ኣሃዳዊ ሃገራዊ ፍልስፍና ደገፍቲን ኣባላትን፣ ናይቶም ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ተመሃሮ ብመልክዕ ሃገራዊ ውድብ ተወዲቦም ዝቃለሱ ዝነበሩ ግን ዘይተዓወቱ ውድባት ኣባላትን ደገፍትን  ሓንሳብ ብሓባር ካሊእ ግዜ በበይኖም ኮይኖም ንዚ ስርዓት ከፍርሱ ዝከኣሎም ኩሉ እናገበሩ መፂኦም እዮም። መንግስቲ ኢህወደግ ድማ “ሓይልታት ፀረ ህዝብን ፀረ ሰላምን” ዝብል ስም ካብ ምሃብ ሓሊፉ ንኸቃልዖምን ከምቲ ንሳቶም ንቲ ስርዓት ከቃልዑ ላሕ ዝብልዎ ንቲ ኣተሓሳስብኦም ከቃልዕ ኣይተረኣየን።

ኣብ ቀረባ እዋናት ድማ ገለ ነፃ ተንተንቲ ኣብዚ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ጥዕና የብሉን፤ ናብ ዘይንወፆ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክንኣቱ ንኽእል ኢና ክብሉ ይስምዑ ነይሮም።  መንግስቲ ኢህወደግ ግን ንዚኦም እውን ያው “ፅቡቕና ዘይደልዩ፣ ተስፋ ዝቖረፁ፣ ስልጣን ደለይቲ .. ታይዶ ከመይዶ” እናበለ ክሳብ ቀረባ እዋን “ኣብ ፅቡቅ መንገዲ ኣለኹ፣ ኣንፀባራቂ ዓወታት እንዳመዘገብኩ እየ” ክብለና ፀኒሑ እዩ። ይኹን እምበር በዙይን በትዩን ናይ ህዝቢ ቁጥዐ እናሓየለ ምስ ከደ ኢህወደግ እውን ንቲ ፀገም ብዕሊ ተቐቢልዎ ባዕሉ ከም ዝበሎ ናብ “ብዕምቆት ምህዳስ” ኣትዩ እዩ።

እዞም ሰለስተ ኣካላት (ማለት 1. ንቲ ስርዓት ብመሰረቱ ዝቃወሙ ሓይልታት  2. የእትወና እዩ ዝብሉ ነፃ ተንተንቲ ዜጋታት  3. መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ኢህወደግ) ንቲ ስርዓት ዝገጠምዎ ፀገማት ምህላዎም ዝስማዕምዑ ኮይኖም፤ ኣብ ምንጪን መፍትሕን እቶም ፀገማት ዘለዎም ኣረኣእያ  ግን ሰለስቲኦም ዝተፈላለዩ እዮም።

ሀ) ንቲ ስርዓት ዝቃወሙ ኣካላት ምንጪ እቲ ፀገም ካብ ባዕሉ ካብ እቲ ስርዓት እዩ ኢሎም ይኣምኑ። መፍትሒኡ ድማ ብመሰረቱ ንቲ ስርዓት ምቕያር እዩ ይብሉ። ንዚ ዘቕርብዎ መርትዖ ድማ ንቲ ሕገ መንግስቲ፤ ሓደ ብዋናነት ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ብብሄር ዝተወደበ ፌዴራሊዝም “ንኸፋፊልጋ ምግዛእ” ክበሃል ዝመፀ “ሓደጋ ሃገራዊ ሓድነት እዩ” ይብልዎ (ኣብዙይ እቲ ፌደራሊዝም ፈፂሙ ኣየድልን ‘ውን ዝብሉ ኣለዉ፤ እቲ ፌደራሊዝም የድሊ እዩ ግን ብጂኦግራፊ ክኸውን ኣለዎ ‘ውን ዝብሉ ኣለው)፤ ካልኣይ ምስዚ ተኣሳሲሩ ንናይ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን መሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምግንፃል ኣዕረዮም ይኹንንዎ፣ ኢትዮጵያ ናይ ብሄራት ከረጪት ኣይኮነትን ይብልዋ። ሳልሳይ መሬት ናይ ህዝብን መንግስትን ምባሉ ብተግባር መሬት ናይ መንግስቲ ኮይኑ ስለ ዘሎ ዓብዪ ስሕተት እዩ፤ መሬት ናይ ግሊ ክኾን ኣለዎ ይብሉ፤ ንቲ ሕገ መንግስቲ እውን ናይ ሓደ ውድብ ፕሮግራም አዩ ክሳብ ምባል ይኸዱ፤ ብቲ ኻሊእ ገፅ መንግስቲ ዘርእዮም ጉድለታት ካብ መጠን ንላዕሊ እንዳጉልሁ እዚ መንግስቲ ክመርሕ ኣይኽእልን እዚ ስርዓት እውን ኣይኸውንን ይብሉ። ናይ ሓደ ብሄር ልዕልነት እኒሀ “እገለ ብሄር ፀገም ዘጋጥመካ ዘሎ አገለ ብሄር እዩ ዝብዝብዘካ ዘሎ” እናደበሉ ኣብ ሞንጎ ህዘቢ ጎንፂ ክፈጥሩ ለይትን ቀትርን ይፅዕሩ። እዚ ስርዓት ክፈርስ ድማ ገሊኦም ብዕጥቃዊ ቃልሲ ገሊኦም ብሚድያን ብዝተፈላለዩ ውዳበታትን መድረኻትን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይገብሩ። ንቲ ፀገም መፍትሒ ኢሎም ዘቕርብዎ ዘለዉ ድማ አቲ ዘሎ መንግስቲ ፈሪሱ ናይ ሽግግር መንግስቲ ምምስራት እዩ፤ ናይዚ መረጋገፂ ከዓ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፀገም  ጠውሻሕ ብዝበለት ቁፅሪ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ኮይኖም ኣጣየሽናዮ ዝብልዎ ናይ ሽግግር መንግስቲ እዩ።

ለ) ንዓድና ንግደሽ ዝብሉ ነፃ ተንተንቲ ድማ ምንጭን መፍትሕን አቲ ፀገም ኢሎም ዘቕርብዎም ዝርዝር ኣቢልና ንርኣዮም፦ ኣብዙይ ንቲ ፀገም ብኽልተ መልክዑ እዮም ዝርኢዎ፤ ብቲ ሓደ ገፅ አቲ ፀገም መንግስቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ከይድታቱ ዝፈጥሮም ዘሎ ናይ ስናይ ምምሕዳር ጉድለት ማለት ድኹም ኣወሃህባ ህዝባዊ ግልጋሎት፣ ቅልጡፍ መልሲ ዘይህብ ዝደቀሰ ቢሮክራሲ፣ ብኣግባቡ ዘይሰርሑ ኣብያተ ፍርዲ፣ ናይ ሰበ ስልጣናት ቅጥዒ ዘይብሉ ግዕዝይና፣ ዘይተመጣጠነ ክፍሊት ካሕሳ መሬት፣ ናህሪ ዋጋ መንባብሮ፣ ሰፊሕ ስእነት ስራሕ መንኣሰይ፣ ወዘተ ዝፈጠርዎም ናይ ህዝቢ ኣንፀርፅሮታት እዮም። እዚኦም ድማ እቲ መንግስቲ ቆሪፁ ተላዕሉ ምትዕርራያትን ምምሕያዕን ገይሩ ፀገሙ እንተኣሪሙ ክፍትሑ ዝኽእሉ እዮም ዝብሉ ኣለው።

ብቲ ካሊእ ገፅ ድማ ፀገም ስርዓታዊ (ስስተሚክ) እዩ ዝብሉ ኣለው። አዙይ ማለት እቲ ስርዓት ዘቕመጦም መሰረታዊ ናይ ዴመክራሲ ህንፀትን ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን መንገድታት መንግስቲ ኢህወደግ መንገዶም ስለ ዘስሐቶም እዩ ብዝብል እዩ ዝግለፅ። ኣብዚ ጉዳይ ብኣካል ዘዘራረብክዎምን ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ፅሕፎም ዘቕረቡን ተንተንቲ ከምዝብልዎ እቲ ፀገም ስርዓታዊ/ስስተሚክ እዩ ክብሃል እንተኾይኑ  1) ኣብ ፌደራሊዝም ምስ መሰል ዓርሰ ውሳነ/ sel determination ተተሓሒዙ  2) ኣብ ናይ ዜጋታት ዴሞክራሲ  3) ኣብ ሃፍቲ ክፍፍል ወዘተ….. በዞም መሰረታዊ ነገራት ሪኢኻ ፀገም እንተሊይዎ እዩ።

-እዚ ንሃንፆ ዘለና ስርዓት ዋና መግለፂኡ እቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ እዩ፤ ህወሓት ኢህወደግ ‘ውን ኣብዚ ዓዲ ዝተዓወተሉ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኣተሓሳስባ እዙይ ዋና መሰጎሚ ብምኻኑ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋናት ግን ይብሉ አዞም ተንተንቲ ኢህወደግ ቀስ ብቐስ ናብ ኣሃድዊ ትምክሕታዊ ሓይሊ እናተፀገዐ ብምምፅኡ ናይቲ ፀገም ሓደ ዓብዪ ምንጪ ኮይኑ እዩ። ናይዚ ስርዓት አዚ ቀንዲ ሓደጋ እቲ ኣሃዳዊ ትምክሕታዊ ሓይሊ እዩ፤ ዘድሕኖ ድማ እቲ ናይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ሓይሊ እዩ፤ ስለዚ ኢህወደግ ካብቲ ዝኸዶ ዘሎ ጉግይ መንገዲ ወፂኡ ከምቲ ናይ ቀደሙ መሪሕ ናይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ኣተሓሳስባ እንተኾይኑ ወይ ንኸምዚ ዝበለ ናይ self determination ሓይሊ እንተኣረኪቡ እዩ ንዚ ስርዓት ከድሕኖ ዝኽእል እዮም ዝብሉ።

-እቲ ካሊእ ናይዚ ስርዓት ሓደጋ ዝኸውን ዘሎ ተባሂሉ ኣብዙይ ዝግለፅ እቲ ናይ ዜጋታት ዴሞክራሲ መሰል ዝበሃል እዩ። እዙይ ማለት መሰላት ምውዳብ፣ ሓሳብካ ብነፃ ምግላፅ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ወዘተ ዝሓዘ ኮይኑ ኣብዙይ ዘሎ ከይዲ ብቲ ሕገ መንግስቲ ዝፈቐዶ ዶ ይኸድ ኣሎ ወይስ ኣይኸድን ዘሎ ኢልካ ምርኣይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ዓብዪ ፀረ ዴሞክራስዋውነትን ዓፈናን ከም ዘሎ ብዙሓት ተዓዘበቲ ዝገልፅዎ እዩ። ኢህወደግ ባዕሉ ‘ውን ፀረ ዴሞክራስያውነት እኒሀኒ ኢሉ ኣሚኑ እዩ ኣብ ገማጋማቱ። ኣብዚ ጉዳይ ናይቲ ፀገም ዋና ምንጪ ባዕሉ ኢህወደግ ይኸውን ስለ ዘሎ ኢህወደግ በይኑ ብዝገብሮ ምንቅስቓስ ዴሞክራስያዊ ሃዋህው ከስፍን ስለ ዘይከኣሎ ሰፊሕ ዝኮነ ናይ ካልኦት ሓይልታት ተሳትፎ እንትህሉ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል።

- ሃፍቲ ክፍፍል ብዝምልከት ዝለዓል ድማ ብዋናነት ካብ ግምታዊ እምነት (perception) ዝምንጩ ነገር ዋላ እንተሃለዎ፤ እቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ቅሩብ ዓመታት ዝተረኣየ ኢኮኖምያዊ ዕብየት ዝፈጠሮ ኣብ ሞንጎ ርኹብን ስኡንን ሰፊሕ ክፈተት ተፈጢሩ እዩ። እቲ ግምታዊ እምነት perception ዝበሃል ዘሎ ሓደ ዝተወሰነ ሓይሊ ወይ ብሄር ሓለፋ ተጠቒሙ እዩ ዝብል ኮይኑ ሓቁን ሕሶቱን ክፍተሽ ዘለዎ እዩ፤ ብጭቡጥ ሓደ ምንጪ ናይቲ ፀገም ኰይኑ ዝለዓል ዘሎ እዩ።

ብሓፈሽኡ እንትርአ ምንጪ እቲ ፀገም፤ እቲ ኣብዛ ሃገር ዝኒሀ ፖለቲካዊ ከይድን ተግባራት መንግስትን ንቲ ሕገ መንግስቲ ካብ ዘይምምሳሉ ዝምንጩ ኮይኑ፤ መግለፅታቱ ድማ ኢሎም ዝተፈላለዩ ሰባት  ዘቕምጥዎም ዝተፈላለዩ ነጥብታት ከምዚ ዝስዕብ ክጠቓለሉ ይኽእሉ፦

-ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ዘይምጥንካር። ከምኒ ሰብኣዊ መሰልን ሓባሲ ንብዓትን ዝበሉ ኮሚሽናት ዘይምጥንካር፣ ነፃን ጠንካራን ኣብያተ ፍርዲ ዘይምህላው፣ ጠንካራ ተቐወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይምዕንባብን ብሓፈሻ ናይ ፖለቲካ ምህዳር ምፅባብን፣ ነፃን ዘይሻራዊን ሚድያ ዘይምጥንኻር (ኣብ ከክንድኡ ጫፋት ዝሓዙ ፅልኢ ዝነዝሑ ሚድያታት ምብርኻት)፣ ሰቪክ ማሕበራት ይዅና ሓፋሽ ማሕበራት ዓርሰን ክኢለን ናይ ህዝቢ ሕቶታት ከልዕላን ናይ ህዝቢ ፀገማት ክፍትሓን ክቃለሳ ዘይምኽኣል ወዘተ

-ልዕልነት ሕጊ ዘይምርግጋፅን ፍትሒ ምጉዳልን። ኣብዚ ሃገር ልዕልነት ፓርቲ ይዛይድ ካብ ልዕልነት ሕጊ፤ ንሕጊ ተገዛኢ ምዃን ዘይኮነስ ብሕጊ ምግዛእ እዩ ዝኒሀ።

-ክፍፍል ስልጣን ኣካለት መንግስቲ ዘይምህላው። ብሓደ ወገን ውድብን መንግስትን ተሓዋዊሱ ገዛኢ ፓርቲ ኩሉ ነገር ዝቆፃፀረሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ገዛኢ ፓርቲ ሙሉእ ብሙሉእ መንግስቲ ተቖፃፂሩ ብኡ ኣቢሉ  ድማ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝተቖፃፀረሉ ኩነታት እዩ ዝኒሀ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ሰሊስቲኦም ኣከላት መንግስቲ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፈፃሚ ስራሕ ዝኣተውሉ እዩ ዝኒሀ። እዙይ ናይ ዜጋታት ዴሞክራስያዊን ኢኮኖምያዊን መሰላት ዝዕፍን መራሕቲ መንግስቲ እውን ጠያቒ ስለ ዘይብሎም ክግዕዝዩ በሪ ዝኸፍት ኣካይዳ እዩ።

-ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍትን ኢኮኖምያዊ ተጠቃምነትን ብዝምልከት ዝለዓል ሕቶ

-መንግስቲ፣ ኢኮኖሚ ከም ሓደ እንኮ መንገዲ ህንፀት ሃገር ገይሩ ምርኣዩ። ካብዚ ዝብገስ ኣብቲ ኢኮኖሚ ካብ ዕቅን ንላዕሊ ኢድ ኣእታውነት ምህላው። እዚ ዓዲ ድማ ብዋናነት ብፖለቲካ እዩ መፍትሒ ዝረክብ እምበር ብኢኮኖሚ ጥራይ ዘይመዃኑ።

እዚኦምን መሰላቶምን እቲ ስርዓት ዘርእዮም ዘሎ ጉድለታት ተባሂሎም ብገለልተኛ ተንተንቲ ዝቐርቡ ኮይኖም መፍትሒኦም ድማ ኢህወደግ ወይ መንግስቲ በይኑ ብዝገብሮ ገምጋምን ምምዕርራይን ዘየኮነስ የእትወና ዝብሉ ዝምልከቶም ኩሎም ኣካላት ኣብ ሓባራዊ ህዝባዊ መድረኻት ብሓባር ብምዝታይ፤ ናይ ኩሎም ሓይልታት ሓሳባት ዝተኻተተሉ መፍተሒ ኣንፈት ብምቕማር እዩ ክኸውን ዝኽእል። እዙይ ድማ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝፈቐዶም ዴሞክራስያዊ መሰላት ተግባረዊ ብምግባር ኣቢልካ ብዝፍጠር ጥጡሕ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዜጋታት ሓሳባቶም ብነፃ ከሸራሽሩ፣ ፀገማቶም ኣልዒሎም ክዝትዩ፣ መፍትሒ ሓሳባት ከምፅኡን ተግባራዊ ክገብሩን፣ ንዙይ ዘተግብሩን ዝመርሑን ውዳብታት ክህልውዎም ገይርካ እቲ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክዓሙቕ ሱር ክሰድድን ህዝባዊ ኣመኔታ ክርክብን ምግባር እዩ።

ሐ) መንግስቲ ኢህወዴግ ንምንጪን መፍትሒን አቲ ፀገም ዝርኣየሉ መንገዲን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ክሳብ ሐዚ ዝኸዶ መንገዲን ድማ ንርኣይ፦

ኢህወዴግ ዋላ እኳ ድሒሩ ዝተቐበሉ እንተኾነ ኣብዚ ሃገር ዘሎ ፀገም ንቲ ስርዓት ተፈታቲንዎ ከም ዘሎ ኣሚኒሉ እዩ። ንዚ ድማ “ባዕለይ ብዕምቆት ብምህዳስ ክፈትሖ እየ” ካብ ዝብል ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኢህወዴግ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ፀገም ኢሉ ዘቐመጦ ብዋናነት ካብ ናይ ባዕሉ ናይ ኣመራርሓ ጉድለት ዝብገስ ኮይኑ  ምዕባለ ዘምፅኦ ናይ ህዝቢ ሕቶ ክምልስ ዘይምኻሉን ንዚ ዝምልስ ብቕዓት ዘለዎ ኣመራርሓ ዘይምህላውን እዩ እመበር ሲስተሚክ ዝኾነ ፀገም የለን ኢልዎ ኣሎ። “ብምኽንያት ባዕሉ እቲ ዘረጋገፅናዮ ዕብየት ዝፈጠሮም ተወሰኽቲ ሕ/ሰባዊ ጠለባት ብኣግባቡ ዘይምምላስና፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ነቲ ኣብ እዋን ተሃድሶና ዘነፀርናዮ ናይ ስርዓትና ሓደጋ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብፅንዓት እናመከትና ብዘይምኻድና ነቲ ምርግጋፅ ጀሚርናዮ ዘለና ለውጢ ንድሕሪት ክመልሱን ናብ ሓደጋ ከእትውናን ዝኽእሉ ፀገማት ኣጋጢሞም ኣለው” ኢሉ ናብ ገምጋም ዝኣተወ ኢህወዴግ፤ ብድምር “ዝሓዝካዮ ስልጣን ንረብሓን ኣገልግሎትን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምውዓል ንውልቀ ረብሓኻን ክብርኻን መረጋገፂ ገይርካ ምውሳድ’ ምንጪ ኩሎም ጉድለታትና ምኳኑ  ኣብ ሓደ መደምደምታ ተበፂሑ’ሎ።” ዝብል ቅዋም ሒዙ ወፂኡ እዩ። ንዚ መግለፂ ዝበሎም ናይ ግፅዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን፣ ፀረ ዴሞክራስያዊነት፣ ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝብሉ ሕመቓት ከም ዘለውዎ ኣሚኑ፤ እዙይ ድማ ናይ ኣመራርሓ “ሹም  ሽር” ብምክያድ መፍትሒ ከም ዝገብረሉ ኣረዲኡ እዩ። ስለዚ ከም ኣረዳድኣ ኢህወዴግ ምንጪ እቲ ፀገም ካብ ናይ ኣመራርሓ ጉድለት ኮይኑ መፍትሒኡ ድማ ኢህወዴግ ባዕሉ ብዕምቆት ብምህዳስን  ኣብ መንግስትን ውድብን ናይ ኣመራርሓ ምትዕርራይ ብምግባርን ምስ ኣባላቱን ምስ ህዝብን ብምዝታይ ዝፍታሕ እዩ። ከም እምነት ኢህወዴግ እንከን ዘይብሉ ሕገ መንግስትን ፅሩይ ዝኾነ ፖለሲን ስትራተጂን ዘለዎ መንግስቲ ኮይኑ ካብ ጉድለት ኣመራርሓ ዝምንጩ ፀገማት እዩ ናብ ሓደጋ ኣእትዩና ዝኒሀ እዩ።

እዚ እምነትን ቅዋምን እዙይ ሒዙ እቲ ፀገም ክፈትሕ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኢህወዴግ ክሳብ ሐዚ ዝገበሮ ምንቅስቓስ እንትርአ፤ ጎሊሁ ዝተረኣዩ ሓደ ምንቅስቓሱ (እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከምዘሎ ኮይኑ፣ ማለት ብግዝያውነት ወሲድና) ብዋናነት ብፖለቲካዊ ተኣማንነት መመዘኒ ዝወሃብ ዝነበረ ስልጣን ብቅዓትን ደረጃ ትምህርትን ተራእዩ እዩ ዝሽየም ዝብል መልእኽቲ ብዘሕልፍ መልክዑ ናይ ሚንስተራት ካቢኔ ምጥያሹ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ናይ ሎሚዘበን ናይ ክልቲኡ ቤት ምኽሪ መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ፕረሲደንት ዶር ሙላቱ ዘቕረብዎ ብርክት ዝበለ መመሓየሸ ሓሳባት ዝሓዘ ዘረባ/ፅሑፍ ዝቐረቡ ነጥብታት ኢና ክነልዕል እንኽእል። ከም ናይ ኦሮምያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ተጠቃምነት ዝምልከት፣ ናይ መንኣሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣርን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝምልከት፣  ከም ናይ ምርጫ ሕጊ ዝበሉ ገለ ክመሓየሹ ዝግበኦም ሕግታት ምምሕያሽ፣ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ኣብቲ ከይዲ ተሳትፎ ክህልዎም ምግባር ወዘተ  ዝብሉ መመሓየሽቲ ነጥብታት ዝቐረቡ እንትኾን ክሳብ ሐዚ ዝተረኣየ ውፅኢት የልቦን።

ድሕሪ እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጀ ተነፃፀሪ ሰላም ዝሰፈነ እንትኾን ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዘተረጋገፀ ግን ኣብ ዜጋታት ስግኣት ኣሎ እዩ። ህዝቢ እቲ ኩነታት ናበይ ከም ዝኸድ ኣዕርዩ ዝሓስበሉን ዝጭነቐሉን ሃገራዊ ኩነታት እዩ እኒሀ ክበሃል ይከኣል። መንግስቲ ግን ብሚድያተታቱ ይገልፆ ከም ዘሎ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ተመሊሱ እዩ ኢሉ ዝተረጋገአ ይመስል። መንግስቲ እቲ ፀገም ተፈቲሑ እዩ ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ ንህዝቡ ብዝግባእ ከእምን እንተዘይኪኢሉ ዳርጋ ዘይተፈትሐ እዩ ዝውሰድ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብቲ ዝመርሕ ሓይሊ እምነት እንድሕር ዘይሃሊይዎን ናብዪ ይወስዶ ከም ዘሎ ግልፂ ኮይኑ ዘይረኣዮን እንተኾይኑ ተስፋ ምቑራፅ ስለ ዘረኢ ፅልምትምት ዝወለዶ ዘይምርግጋእን ቅልውላውን ምግጣሙ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ግልፂ ኮይኑ ንህዝቢ ኣእሚኑ ክኸድ ኣለዎ እምበር “ባዕለይ ኣለኹሉ” ዝብል ዕቡይነት ኣየዋፀኦን እዩ።

ኣብቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኩነታት ብዛዕባ ዘሎ ነገር እዙይ ካብ በልና፤ እስቲ ናብ ትግራይ ክንመፅእ እሞ ብትግራይ ደረጃ እንትርአ እንታይ እዩ ዝመስል እቲ ኩነታት? ህዝቢ እንታይ እዩ ሕትኡን ሪኢትኡን? ህወሓት ከ እንታይ ይገብር ኣሎ? ናበይ እዩ ክወስደና ዝኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ንርአ። እሞ ኣብዚ ዘለኒ ትዕዝብቲ ከቕምጥ እየ በቢ ዘለናዮ ድማ ንማየጠሉ። ከም ኣካይዳ ህወሓት ንባዕሉን ንቲ ጠቕላላ ኩነታትን ዝገምገመሉ ከም ዘለዎን ብኻልኦት ወገን ዝለዓሉ ሓሳባት እውን ከም ዘለዉዎን ኣቕሪበ፤ ዝተወሰኑ ሕቶታት/ነጥብታት ብልምዓል እየ ፅሑፈይ ክዛዝሞ።

ህልው ኩነታት ትግራይን ህወሓትን ብሓፂሩ

እቲ ሃገራዊ ኩነታት ምስቲ ሓዱሽ ጉዕዞ ህንፀት ሃገር ኣተሓሒዝና ዘለው ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ሪኢና ኣለና። ናብ ትግራይ እንትንመፅእ እቲ ኩነታት ፍልይ ዝበለ እዩ። እቲ ሓዱሽ ጉዕዞ ሃገራዊ ህንፀት ንኽመፅእ ኣብቲ ጫፍ ብልሒ ናይቲ ቃልሲ ኮይኑ ዝተቓለስን ተዓዊቱ ምስ ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ውፅዓት ህዝብታት ኮይኑ ዓብዪ ናይ መሪሕነት ተራ ዝተፃወተን ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ሓዱሽ ስርዓት እዙይ ዝበሃል ተቓውሞ ዝነበሮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከዓ እቲ ቃልሲ ብዋናነት ኣብዙይ ብምንባሩ ወይ እውን ህወሓት ትግራዋይ ውድብ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብቐንዱ መሰረታዊ ሕትኡ ዝመለሰ ስርዓት ብምዃኑ እዩ። ህዝቢ ትግራይ እውን ንህወሓት ዋልታን ደጀንን ኮይኑ ዘቃለሶን ዝደገፎን ትግራዋይ ውድብ ብምዃኑ ጥራይ ዘየኮነስ ንመሰረታዊ ሕቶታቱ ዝምልስ ዕላማ ዝተሓንገጠን ብተግባር እናርኣዮ ይኸይድን ስለ ዝነበረ እዩ።

ኣብቲ ከይዲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህወሓት ዘለው ዘይደልዮም ኣርኣእያታት እናኣረመ፣ ህወሓት እውን ኣብ ህዝቢ ዘለው ድሑራት ኣርኣእያታት እናተቓለሰ፣ እናተኣራረሙ ናብ ሓደ ስሙር መትከላዊ ሓባራዊ መርድዳእ ዝመፅሕሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ። ስለዝኮነ እውን ህወሓት/ኢህወደግ መንግስቲ እንትምስርት ህዝቢ ትግራይ ንቲ ብሃገር ደረጃ ዝነበረ  ምስረታ ሓዱሽ ከይዲ ህንፀት ሃገርነት ዝነበሮ ተሪር ድጋፍ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ብትግራይ ደረጃ እንትግለፅ ሙሉእ ሓጎስን ዓብዪ ናይ ተዓዋታይነት መንፈስን እምበር እዙይ ዝበሃል ተቓውሞ ነይሩ ምባል ኣይከኣልን። ዝተወሰኑ ኣባላት ኢድዩ ገለ ምንቅሰቓስ ገይሮም አኳ እንተነበሩ ንቲ ከይዲ ክፈታተን ዝኽእል አዙይ ዝበሃል ትርጉም ዘለዎ ምንቅስቓስ ግን ነይሩ ክበሃል ዝኽእል ኣይኮነን። ብክልል ደረጃ ኣብ ከምዙይ ዝበለ ምሉእ ህዝባዊ ድጋፍ ኮይኑ እቲ ሓዱሽ ጎዕዞ ህንፀት ዝጀመሮ ህወሓት ብናይ ተዓታይነት መንፈስን ሕራነን ብዙሓት ጭርሖታት እናጨርሐ (ገሊኦም እውን ዝተጋነኑ) ዝበረሰት ዓዲ መሊሱ ናብ ምልማዕን ምህናፅን እግሪ ምትካልን ኣትዩ እዩ።

ኣብቲ መጀመርታ ዓመታት ብዝነበረ ናህሪ ብፍላይ ብመሰረተ ልምዓት መዳዩ ከም “ትግራይ ብመንገዲ ዓይኒ ዓራት ክንገብራ ኢና” ዝብሉ ጭርሖታት እናተጨረሐ ኣብ ህንፀት መንገዲ፣ ምስፍሕፋሕ ኣብያተ ትምህርቲን ኬላታት ጥዕናን፣ ኣብ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ፍሉይ ጠመተን ወፍሪን ዝተገበረሉ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ብሓፈሽኡ ኣብ እግሪ ምትካል ወዘተ ዓበይቲ ውፂኢታት ተመዝጊቦም እዮም። ህወሓት ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ ዘዋህለለቶ ሃፍቲ ንታ ብኹናትን በደል ጨቆንትን መዳለውትን ስርዓታትን ዝበረሰት፣ እንትርፊ ሓንቲ ሕሩጭ ፋብሪካ አዚኣ እትብሃል እንዳስትሪ ዘይነበረታ ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን ኢንዳስትራላይዝ ንምግባርን ብምዕላም “ትእምት” ብዝብል ብኢንዶውመንት መልክዕ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንህዝቢ ትግራይ ብምውፋይ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ፋብሪካታት ምጥያሽ ተኻኢሉ እዩ።

ብፍቅሪ ዓዶም ዝነደዱ በቢ ከባቢኡ ዝነበሩ ተጋሩ ሙሁራን ዓዶም ንከልምዑ በሪሮም ዓዶም ኣትዮም እዮም። ኣብቲ መጀመርታ ዓመታት ውፍይነት፣ ፃዕራምነትን ፅንዓትን ኩሉ ግዜ መለለይኡ ዝኮነ ጅግና ህዝቢ ብሓደ ገፅ፤ ብሓዊ ተፈቲኑ ዝሓለፈ ገና ወኒኡ ዘይዘሓለ ጅግና ተጋዳላይ ብሓደ ገፅ፤ ዓዱ ከልምዕ ካብ ዘለዎ እናበረረ ዝመፀ ውፉይ ምሁር ትግራዋይ ብካሊእ ገፅ፤ ብሓያል ፍቅሪን ወነን ተሓባቢሮም ትግራይ ካብ ድሕረት፣ ድኽነትን ድንቁርናን ንምልቓቕ ዓብዪ ርብርብ ዝተተሓሓዘሉ እዩ ነይሩ። አዚ ከይዲ እዙይ ቀሊል ዘይብሃል ውፅኢት ኣመዚጊቡ እዩ፤ ብፍላይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲን ምጥያሽ እተን ናይ ትእምት ትካላትን ከም ዓብዪ ዓወት ክጥቀስ ዝኽእል እዩ።

ህዝቢ ኣብቲ ስርዓት ተቐውሞ ኣይነበሮን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውድብ ህወሓት እውን ሙሉእ እመነት ነይርዎ እዩ። ነገራት ግን ከምቲ ህዝቢ ዝደልዮም ኣይቀፀሉን። ብዙሕ ምኽንያታት ክጥቀስ ይኽእል እዩ። ካብ ዘለኒ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ተበጊሰ ገለ ንምልዓል ዝኣክል ግን፦ 1) እቲ ሓደ ትፅቢት ህዝቢ ከም ዝደለዮ ዘይምዃን እዩ። ንዚ ውድዓዊ ምኽንያት ተባሂሉ ዝጥቀስ ድማ ዓቕሚ ህወሓት ናብ መላእ ሃገር ስለ ዝተበተነ ከምቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝነበረ ዘይምዃኑ እዩ፤ ማለት እቲ ቓልሲ መሪሑ ዘዐወተን ኣብቲ ቃልሲ ዝተፈጠረን ናይ ትግራይ ዓቕሚ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ንትግራይ እግሪ ምትካልን ምምራሕን ክዋፈር ዘይምኽኣሉ እዩ። 2) ካሊእ ኣብ ተጋዳላይ እናተፈጠረ ዝኸደ ስሚዒት ቅሬታ እዩ። ምስቲ ምስረታ ሃገራዊ ሰራዊት ተኣሳሰሩ “ምምጥጣን” ብዝብል ብዙሕ ተጋዳላይ ብዘይ ድሌቱ ክሰናበት ብምግባሩ ኣብ ብዙሕ ሕማቕ ስሚዒት ፈጢሩ። ኣብ 85 ኣብ ዝነበረ ገምጋም እውን እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ንቲ ታሕተዋይ ተጋዳላየ ጌጋ ኣለካ፣ ናይ ባህሪ ለውጥን ቀንጠብጠብን እኒሀካ፣ ንእገለ ኣመራርሓ  እባ ሓመኻ ኢሉ ዝግባእን ዘይግባእን ቅፅዓት ሂቡ ስለ ዘሰኮኖ ብዙሕ ተጋዳላይ ሕማቕ ስሚዒት ፈጢሩ። እዙይ ኣብ ሞንጎ መራሕትን ተጋደልትን ዝተፈጠረ ክፍተትን ምቅሕሓርን ከም ዘሎ ኮይኑ፤ ሽዑ ክግምገም ዝነበሮ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ ብዘይ ምግምጋሙ ደሓር ንዝተፈጠረ ምክፍፋል ምኽንያት ምዃኑ እዩ ብዙሓት ዝዛረቡ። 3) ካሊእ ነጥቢ ድማ ኣብ ሞንጎ እቲ ተገዳላይን እቲ ዓዱ ከገልግል ብወነ ዝመፀ ሙሁርን ኣብ ብዙሕ ነገራት ዘይምስናይ እናጋጠመ እቲ ሙሁር ዳርጋ ኩሉ ተመሊሱ ዓዱ ራሕሪሑ ዝኸደሉ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ቀስ ብቐስ ክስኮን ዝተገበረሉ ኩነታት ተፈጢሩ።

4) እቲ ዝተረኸበ መስተንክራዊ ዓወት ዝወለዶ  “ኩሉ ነገር ንኽእል ኢና፣ ዘይንስዕሮ ነገር የለን” ዝብል መንፈስ ተዓዋታይነት ስለ ዝነበረ ነገራት ብርግኣትን ብመፅናዕትን ንከይረኣዩን ከይውሰኑን ዕንቅፋት ነይሩ እዩ። አዚ መንፍስ ተዓዋታይነት ብሓደ ገፁ እውን ንሕና ኢና ትኽክል ዝብል ኣርኣእያ ስለ ዝወለደ ካሊእ ኣተሓሳስባ ንምቕባል በሪ ዝህብ ኣይነበረን። አዙይ ድማ ከይዲ ከይዱ ንቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣበላሽዩ ፀረ ዴሞክራስያውነት እናነገሰ ክመፅእ ኣኽኢሉ። ከምዙይ ዝበሉ ዘየድልዩ ነገራት እናተኸሰቱ እናሀለው ‘ውን እንተኾነ እቲ ጉዕዞ እናቀፀለ እዩ ነይሩ። 5) ኣብ ሞንጎ ግን ወራር ሻዕብያ መፂኡ ኩሉ ነገር ናብ ዓውደ ኩናት ኮይኑ እታ ጨላንጭል ሰላም ረኺባ ጉዕዞ መልሲካ ምሕዋይ ተተሓሒዛቶ እንበረት ትግራይ መሊሳ ናብ ዓውደ ኩናት ተቐየረት። ሻዕብያ ንግዚኡ ዋላ እንተተሳዐረን እቲ ዝሓሰቦ ወራር ክምከት እንተተኻለን ንትግራይ ግን ክሳብ ሐዚ ኣይኩናት ኣይሰላም ኣብ ዝኾነ ኩነታት ክትነብር ገይርዋ ይርከብ።

6) እዚ ወራር ሻዕብያ ዘብፅሖ ክሳራ ከይኣክል፤ እቲ ምልክት ፅንዓትን ተዓዋታይነትን ዝኾነ ፅኑዕ ውዳብ ተባሂሉ ዝእመነሉ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት ድማ ኣብ ክልተ ግምዕ በለ። ጉዕዞ ሰላም፣ ህነፀት ዴሞክራስን ልምዓትን ትግራይ ‘ውን ብኡ ልክዕ ሕቑኡ ግምዕ በለ። እቲ ምፍልላይ ኣብ ህዝቢ ከመይ ዝበለ ስምዒት ከም ዝፈጠረ መምህር ሙሉወርቅ ኪ/ማርያም ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊፅዎ ነይሩ “እዚ እቲ ልቡ ኣውዲቑ ዝድግፍ ዝነበረ ህዝቢ፤ ተዳልዩሉ ስለዘይነበረ ሓደ ዓብይ ሽግር ፈጢሩ። ፖለቲካዊ ምፍልላይ ክህሉ የብሉን ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ፍልልይ ክእመን፤ ክግመትን  ሓፋሽ ክርድኣካ ብዝኽእል መንገዲ  ክፍፀም  ኣይከኣለን። ኣብ ውሽጢ ሕቡእ ኮይኑ ፀኒሑስ ብሓደ ጊዜ ዝነቶጎ ዓይነት እዩ ኮይኑ። ደሓር ነቲ ሓቢሩ ዝተዋገአ ዘዋገአ ህዝቢ እቲ መልእኸቱ ፀገም ነይሩ። ክስቶ ኣጥፊኡ ኣየጥፍአን ዘይኮነስ እቲ ምፍልላይ ባዕሉ ፀገም ኮይኑ። ዳሓር መበገሲ ምፍልላይ ክግለፅ እንተሎ በቲ ዝተረፈ ሓይሊ ክውጋዕ ጀሚሩ። እዚ ማለት እቲ ዝወፀ ሓይሊውን ስቕ ኢሉ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። በቢወገኑ ነናይ ባዕሉ ሓሳባት ከሰራጩ ጀሚሩ።እቲ ሓሳብ ይተኣመን ኣይተኣመን ብዘይ ስሩዕ መንገዲ ምኳኑ ብዘየግድስ ተሰራጭዩ። ከም ቤላ ቤሎ rummer  ኮይኑ ክኸይድ እንተሎ መዕነዋይ ይኸውን ማለት እዩ። እዚ እቲ ዝነበረ ሓድነት ከልሕልሕን ናብ ዘይተደልየ ምጥርጣራት ክወስድ ይኸእል” (ውራይና ሕታም 19)።

ኣብቲ ህዝቢ ከምዙይ ዝበለ ኩነታት ዋላ ይፈጠር ህዝቢ ትግራይ ነታ ዘቃለሰቶ ውድብ ዋላ ዝተረፈት ትትረፍ ክሕብሕባ ከጠናኸራ መረፀ። እዚ ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ሕዚ ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ዝኸውን ኣባል ሒዙ ክኸይድ ክኢሉ ኣሎ ህወሓት። ውድብ ወይ መራሕቲ  ህወሓት ንቲ ዝወፀ ሓይሊ ዕንቅፋት እዩ ነይሩ ሐዚ መስመርና ኣፅሪና ኣለና ስሉጥ ዕብየት ክነመዝግብ ኢና ዋላ እንተበሉ፤ ትግራይ ግን እቲ ኣብ ሃገር ደረጃ ዝመፀ ለውጢ ዘንጠብጠበላ ተተኹባ እንተኾነት እምበር ዝበለፀ ስሉጥ ዕቤትስ ይትረፍ ብቲ ዝጀመረቶ መንገዲ እውን ኣይቀፀለትን ዝብል ሰፊሕ ኣርዳድኣ ኣሎ ኣብ ብዙሕ ሰብ። መሪሕነት ህወሓት ትኹረቱ ኣብ ሃገር ገይሩ ብሃገር ደረጃ ማንም ዝምስክረሉ ኢኮኖምያዊ ዕቤት ኣመዚጊቡ እዩ። እዙይ ድማ ከም ኢህወደግ እምበር ከም ህወሓት ንበይኒ ዝወሃቦ ውፂኢት እውን ኣይኮነን። ህወሓት ክንዕቅኖ እንተኾይና ኣብ ትግራይ ብዘምፀኦ ውፅኢት እምበር ኣብ ሃገር ብዘመፀ ኣይኮነን። መራሕትናን ሚዳታትናነ ግን እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሐ እዮም ወግሐ ፀብሐ ዝፍክርሉ፤ ብኡ ገይሮም ድማ ዕብየት ኣረጋጊፅና ክብሉና ይደልዩ።

ኩነታት ትግራይ ድሕሪ እዚ ናይ ህወሓት ማአከላይ ኮሚቴ ምምቕቓል ወይ መድረኽ “ተሃድሶ” ምስቲ ድሌት ህዝብን ህወሓት ባዕሉ ዝኣተዎ ቃልን ይትረፍ፤ ምስቲ ኣብ ሃገር ደረጃን ካልኦት ክልላትን ዝተመዝገበ ዕቤት እንትረአ ብኹሉ መዳይ ንድሕሪት እዩ ከይዱ ክበሃል ይከኣል። ከም ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝበሉ ዝተመዝገቡ ውፂኢታት እኳ እንተሃለው ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕብየት ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦን ቃል ዝተኣተወንስ ይትረፍ ከምቲ ብፀብፃባት ዝንገረና እውን ከም ዘይኮነ ብርግፅኝነት ምዝራብ ይከኣል። መንግስትን ውድብ ህወሓትን ግን ተኣምራዊን ኣንፀባራቒን ዓወታት ከም ዝተመዝገበ እዮም ክነግሩና ፀኒሖምን ሐዚ እውን ዝነግሩና ዘለውን።

እቲ ኣብ ባይታ ዘለ ሓቅን እቲ ዝበሃልን ብዘይምስናዩ እቲ ባዕለይ ዝፈጠርክዋ እያ ኢሉ ክሕብሕባ ዝደሊ ህዝቢ ሕቶ ምልዓሉን ምጥርጣሩን ኣይተረፎን። ካብ ግዘ ናብ ግዜ ኣብቲ ውድብ ሕቶ ዘልዕሎ ተጋሩ እናበዝሑ ይኸዱ ኣለው እዮም። ካብቲ ብቲ ምፍልልይ ዝወፁ መራሕቲ ገሊኦም ተቐዋሚ ውድብ ኣጣይሾም ክንቐሳቐሱ ዋላ እንተጀመሩ፤ ህዝቢ ገና ኣብ ህወሓት ዘለዎ እምነት ስለ ዘይተወደአ ድጋፍ ሂቡ ከምፅኦም ኣይከኣለን። ብናይ ህወሓት መሪሕነት ዘንፀርፅር ሰብ ዋላ ብዙሕ እንተኾነ ኣብ ናይ ህወሓት መሰረታዊ መትከላትን ፕሮግራማትን ሕቶ ዘልዕል ብዙሕ ትገራዋይ ግን ኣይትርእን። ገለ ሰባት ካብቲ ናይ ህወሓት/ኢህወደግ ፖሊሲ ኣብ ትግራይ እንትመፀእ ካብ ኣብ ሕርሻ ዘለዎ ትኹረት ናብ ኢንድስትሪን ቱሪዝምን ትኹረት ክገብር ሓሳቦም ዘቕርቡ ኣለው። ብዝኮነ ንተቓዋሚ ውድብ ዓረና ዝድግፉ፣ ካብ ህወሓትን ዓረናን ወፃእ ካሊእ ውድብ ክፍጠር ኣለዎ ዝብሉ፣ ህወሓት ተመዓራርዩን ተጠናኺሩን ክቕፅል ኣለዎ ዝብሉን ሰለስተ ኣርኣእያታት ኣብ ትግራይ ዘለው ኮይኖም ብትዕዝብተይ ግን እቲህወሓት ተመዓራርዩን ተጠናኺሩን ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ሳልሳይ ሓሳብ ዓብላላይ ኣረኣእያ ይመስለኒ።

ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠሮ ውድብ ከም ምኳኑ እቲ ውድብ ሰንከልከል ከይብል ይደልዮ እዩ። ሰንከልከል ከይብል ምእንቲ ድማ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ውድብ ናህና እያ እዩ ዝብላ፤ ናይ ውድብ መደባት ግን ኣይፍፀምን ዘሎ ይብል፣ መራሕትና ብቑዓት ኮይኖም ክመርሑና ኣለዎም፣ ዘይበቕዐ መራሒ ኣይምርሓና ኢሉ ኣምሪሩ ዝዛረብ ብዙሕ አዩ። ውድብ ክትህልወሉ ዋላ እንተደለያ ግን ባህሪኣ ተቐይሩ እዩ ኢሉ ብዝተፈላለየ መንገዲ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት እንተልዕል ይስማዕ፦ 1) ውድብ ባይታ ወሪዳ ድልየታት ህዝቢ ምንባብ ገዲፋቶ እያ፤ ምስ ህዝቢ ከይትራኸብ ድፍረት ስኢና ኣለ፣ ምስ ህዝቢ ሰሚናርን ዘተን ኣይተካይድን፤ እምነታ ኣብ ኣባላታ ጥራይ ዝኾነ ይመስል። 2) ውድብ ኣብ ኣተሓሳስባ ‘ምበር ኣብ ፀብፃብን ቁፅርን ክተትኩር ኣይግባኣን ነይሩ። ግን ኣብ ቁፅሪ እያ ተድህብ ዘላ፣ ፀብፃብ ገይራ ስርሓ እሞ ድማ ሕሾት ፀብፃብ። 3) ኩሉ ነገር ብልምዓት ጥራይ ከም ዝፍታሕ ፖለቲካ ገዲፋ ልምዓት ልምዓት ጥራሕ እያ ትብል ምበር ንፖለቲካዊ ህንፀት ቦታ ኣይትህቦን ዘላ ውድብ። 4) ሕሽክርና ባህሊ ኮይኑ (ትርጉሙ እኳኸይፈለጥካ ሓለቓኻ ዝብሎ ምድጋም ምድግጋም፣ ንሓለቓኻ ከም ሓፂር ኸልቢ ጭራኻ እንዳዘረካ ውነኻ ኣጥፊኢኻ ምሕሽካር ከም ቅቡል ይረኣ ኣሎ)። 5) ገምጋም መጠቓቕዒ ኮይኑ፤ እንድሕር ገምጊምካ ትፅላእ ትጥቓዕ፣ ትልምን ስራሕን ዘይኾነስ ሰብ ምግምጋም፣ ንዝገምገመካ ብኽብረይን እንጀራይን መፂእኻኒ ኢልካ እንዳሳዓብካ ምዱቋስ፣ ህዝቢ  ስቕ ከይብል ይኹን ከይዛረብ ጨኒቁዎ። 6) ነንርስኻ ኣብ መሪሕነት ኮይንካ ምትፍናን ደፊርካ ዘይምግምጋም፤ጥዑይን ሕሙምን ተሓናጊርካ ምኻድ፣  ኣብ ምልመላ መሪሕነት ውን፤ ዓቕሚ ውግነና ህዝቢ መሰረት ገይሩ ዘይኮነስ ብፍልጦን ወገንተኝነትን እዩ ዝምልመል ዝብል ህዝቢ ይሓትት። 7) ብንእሽተይ ስራሕ ምዕጋብ ምብርጣጥ ምኹራዕ እዛ መሬት ንምርጋፅ ምፅያፍ ግና ኮ ተጋዳላይ ህወሓት ኣይኾርዕን። 8) ንጥቅሚ እምበር ንዕላማ ዘይተኣከበ ኣባል በዚሑ፣ ጠንካራ ኣባል የለን፣ እዚ ድማ ጠንካራ ውድብ ከይህሉ ይገብር። 9) ብተደጋጋሚ ፀገም እኒሀኒ ምባል ግን ንቲ ፀገም ዘይምፍታሕ ወዘተ።

ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ በቢግዚኡ ዘልዕሎም ካብ ዘሎ ነጥብታትን ኣንፀርፅሮታትን ንገሊኦም ንምጥቃስ፤ ፍትሒ የለን፣ ኣብ ኣገልግሎት  እምቢ ወይ እሺ የለን ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዘፈራት ምጉልእላእ ኣሎ (ኣሰራርሓ ዘየቀላጥፍ ፤ ክእለት ዘይብሉ፤ ርእሰ እምነት ዘይብሉ መዓት ሰብ ኣብቲ ሲቪል ሰርቪስ ተሰግሲጉ እዩ)፣ ዝጠራዕኻ እንተጠራዕኻ ዝሰምዐካ የለን፤ ኩሉ እኮ ብኔትወርክ እኮ እዩ ተተሓሒዙ፣ ዋላ ናብ ላዕሊ እንተኸድካ ዝሰምዐካ የለን፣ኩሉ ጠርኒፉ ዘመሓድር ተሳኢኑ ኣሎ፣ ሰፊሕ ወገናውነትን ግዕዝይናን እኒሀ፣ ኣብ ገበነኛ ስጉምቲ ኣይውሰድን፣ ስድራ ተጋደልትን ተቓለስትን ተረሲዖም፣ ተጋደልቲ ክብሪ ስኢኖም። ኣካሎም ዝጎደሉ ተቃለስቲ ዝግባእ ጠመተ ኣይተወሃቦምን፣ ሰፊሕ ናይ መንእሰይ ስደትን ብርሰትን ኣሎ፣ ዓንዲ ሕቆ ዴሞክራሲ ዝኾና ማሕበራት ሓፋሽ ( ናይ መናእሰይ ሓረስቶትን ደቀንስትዮን ) ዝተዳኸማ እየን፣ ብፍላይ ኣብ ሓረስታይ ምግዳድ ኣሎ፣  መንእሰይ መዘናግዒ የብሉን ሓሽሽ በዚሑ፣ ህዝቢ ንቕድሚት ብሩህ ነገር  ክረኣዮ ኣብ ምግባር ፀገም አኒሀ ወዘተ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታትን ስግኣታትን ኣብ ስሩዕ መድረኻት እውን እናልዐለ እዩ ህዝቢ።

ኣብ ቀረባታት ካብ ትግራይ ዝወፁ መረዳእታት ከም ዘርእዩና ትግራይ ብንፅፅር ሰፊሕ ስራሕ ስእነትን ስደትን፣ ትሑት ፍሰት ኢንቨስትመንት (እኳደኣስ ካብ ትግራይ ናብ ካሊእ ዝኸዱ ሰብ ሃፍቲ)፣ ኣይኩናት ኣይሰላም ኣጓጉል መነባብሮ፣ በዝሒ ልመና፣ ልዑል ፀረ ዴሞክራስያውነት፣ ካብ እምነ ኩርናዕ ምቅማጥ ዝዘለለ እዙይ ዝበሃል ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዘይካየደላ፣ ብዙሓት ንዓመታት ተጀሚሮም ዘይተወድኡ ፕሮጀክቲታት ዘለውዋ፣ ብዙሕ ቀዲማ እትጅምር ግን ንድሕሪት እትተርፍ ወይ እትዓፅዎ ወዘተ ኮይና ተረኺባ እያ።

ንዙይ ፈፂሙ ዘይቕበል መሪሕነት ህወሓት ክሳብ ቀረባ ግዜ አዙይ ናይ ፀላእቲ፣ ፅግዕተኛታትን ክራይ ኣከብትን፣ ፀረ ሰላምን ፀረ ህዝብን ሓይልቲታት ዘረባ እዩ ክብል ፀኒሑ እዩ። ኣብ መበል 12 ጉባኤ ብዝነበረ ውዕይ መድረኽ ግን ብውሕዱ ኣብዚ ዓዲ ፀገም ከም ዘሎ ዝረኣየሉን ንምቕባል ዝጀመረሉን ነይሩ። እቲ ፀገም ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም እዩ ብምባል ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰፊሕ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ወፍሪታት ክገብር ሓግዩ። ይኹን እምበር እቲ ፀገም ካብኡ ብላዕሊ ብምንባሩ ሕቶታት ምልዓሎም ኣይቀረየን። አቲ ናይ ትግራይ ኩነታት ካብ ምምራር ዝዘለለ (ብዘይካ ናይ እምባሰነይቲ) እዙይ ዝበሃል ዝኸፍአ ናይ ህዝቢ ቁጥዐ ዝተረኣየሉ ኣይኮነን። ኣብ ካልኦት ክልላት ብዝተረኣየ ናይ ናይ ጎንፂ ዘምርሐ ናይ ህዝቢ ቁጥዐ ግን ኢህወዴግ ብዕምቆት ምህዳስ ዝብል ስለ ዘምፀአ ህወሓት እውን ፅቡቕ ኣለኹ ኢሉ ዓፅዩ ዝነበረ ተመሊሱ ብዕምቆት ምህዳስ ዝብል ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ።

ህወሓት እንታይ ይገብር ኣሎ? ገምጋማቱ እንታይ ይብሉ? እንታይ ስጉምቲ ወሲዱ?

ብመሰረት ብደረጃ ኢህወዴግ ብዝተተሓዘ ኣንፈት ብዕምቆት ምህዳስ ህወሓት እውን ካብ ፖሊት ቢሮ ጀሚሩ ክሳብ ታሕትዋይ ኣባል ሰፊሕ ገምጋማዊ መድረኻት ኣሳሊጡ ኣሎ። ፀገመይ ዝበሎም እውን ዘርዚሩ ኣቐሚጡ ኣሎ። እንታይ እዮም እቶም ዝገምገመሎም ነጥብታት? እቶም ሕመቐይ ዝበሎም ከ? መፍትሕታቶምስ?.... ቀፂልና ንርኣይ።

ህወሓት ንቲ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ኩነታት ጥቕልል ብዝበለ መንገዲ እንትገልፆ “ኣብ ሃገርና ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝረአ ዘሎ ፀገማት መበገሲኡ ብሓደ ገፅ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ክፍትሑሎም ዝደልይዎም ጠለባት ኣቕሪቦም ግን ብእዋኑን ብብቕዓትን ክምለሱ ዘይከኣሉ ጠለባት ዝደፍእዎም እዮም። ፖለቲካዊ ኣመራርሓና ነዚኦም ብብቕዓት ንኸይመልስ ኣብ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዝግለፅ ናይ ኪራይ ኣካብነት ሕመቓት ስለዝኣተወ ዝተፈጠረ ፀገም’ዩ። በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ነዚ ከምዕድል ብምውሳድ ነቶም ናይ ህዝቢ ቅሬታታትን መረረትን እናንበድበዱ ካልኦት ናይ ባዕሎም ናይ ትምክሕትን ፀቢብነትን ኣጀንዳታት ብምዝርጋሕ ብናይ ቀለም ዓመፅ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ኩሎም ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ፀረ-ሰላምን ፀረ-ህዝቢን ሓይልታት ናይ ጥፍኣት ግንባር ፈጢሮም ብዝገበርዎ ዘለው ምንቅስቓስ ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ምቕማጥ ግቡእ ይኸውን።” ይብል (ብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ተዳለዩ ኣብ ውይን ጋዜጣ ዝወፀ ፅሑፍ “ትሕዝቶን ባህሪን ሕዚ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት” ኣብ ዝብል ርእሲ ዝተገለፅ እዩ)።

ንነዊሕ እዋን ብዘይካ ገለ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት እዙይ ዝበሃል ፀገም የብልናን ክብል ዝፀንሐ መሪሕነት ህወሓት ኣብቲ ሎሚ ዘበን ዝገበሮ ሰፊሕ ገምጋም “…ንሽቶታት ዕብየትን መሰረታዊ ለውጥን በቲ ውድብናን ህዝብናን ትፅቢት ዝገበርሉ ደረጃ ከምዘየዐወትናን ናይ ህዝብና ዕግበት ከምዘየረጋገፅናን ተገምጊሙ ኣሎ።” ኣብ ዝብል መደምደምታ በፂሑ ኣሎ (መግለፂ ቅዋም ገምጋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት፣ 26 ጥቅምቲ 2009)።

ህወሓት ከም ዝበሎ እቲ ዝተኻየደ ገምጋም ብመሰረቱ ናይ ኣረኣእያ ፅርየት ምፍጣር ዕላማ ሒዙ ዝተገበረ እዩ። ኣብ ሽድሽተ ጉዳያት ብዝርዝር ከም ዝተገማገመ ዝገልፁ ኣባል ፖሊት ቢሮን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓትን ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ንወይን ጋዜጣ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ብኸምዚ ይገልፅዎ(ንጭብጢ እታ ገምጋም እትገልፅ ስለ ዘኾነት ከምዘላ ክነቕርባ)፤ “ኢህወደግ ኣብ ዘካየዶም ገምጋማት ከም ዝተርኣየ ሓደ፣ መንግስታዊ ስልጣን ንውልቀ ረብሓኻ ናይ ምውዓል ዝንባለ እናገፍሐ መፂኡ እዩ። ስልጣን ኣብ ክንዲ ንናይ ህዝቢ ረብሓ ዝውዕል ንናይ ባዕልኻ ናብራ፣ ለውጥን ማቻን መረጋገፂ ገይርኻ ናይ ምጥቃም ዝንባለ፣ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ናይ ኣረኣእያ ምጉዳላት ቦታ እናሓዙ ከምዝመፅኡ ተገምጊሙ። ህወሓት እውን እንተኾነ ነዚ ገምጋም እዚ ከምዘሎ ወሲዱ ከመይ ከምዝግለፅ ንምፍታሽ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ተሃድሶ 1993 ዓ/ም እውን ከም ዝተርኣየ ናይዚ ስርዓት እዚ ቀንዲ ሓደጋታት ካብ ዝበሃሉ፣ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ሓደን ቀንዲን እዩ። ነዚ ኣገላለፃ ብመርኣይኡ ንምግላፅ ዝወየነ ምሁር ክልተ ባህርያት ኣለዉኦ። ረብሓ ሓፋሽ ንምርግጋፅ ናይ ዝግበር ሓያል ህዝባዊ ምንቅስቓስን ማዕበልን ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን “ረብሓይ ዝረጋገፅ ህዝበይ እንትርባሕ፣ ኣነ ድሕሪ ህዝበይ እየ ዝርባሕ” ኢሉ ኣብ ቅድሚት ዝሰለፍ ሓይሊ እንትህሉ ጎቦ የፍርስ። እዚኣ ክልሰ ሓሳብ እንተይኮነትስ ትማሊ ህዝቢ ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ወያነ ዝገብራ ዝነበረ እዩ። ነዚኣ ዝገብር ምሁር እንተዘይሃልዩ ደረጃ ብደረጃ ህዝባውነቱ እናተሸርሸረ ቦታን ስልጣንን ንናይ ባዕሉ ረብሓ ናብ ምቕዳም ትወስዶ፣ ረብሓታቱ ናይ ምርግጋፅ ዝንባለታት እናሐዘን እናማዕበለን ኣብ ዝኸኣሎ እውን እናተግበራ እዩ ዝኸይድ። ነዚ ወያነ ዝመርሕ ዘሎ ምሁር እውን እዘን ክልተ ባሀርያት ይረኣየኦ። መሪሕነት ውድብ ህውሓት እውን እዘን ከምዚአን ዝኣመሰላ ባህርያት ኣለውኦ። ብመሰረቱ እንትርአ፣ ህወሓት ዝሓዞ ስልጣን ንባዕሉ ዘይኮነስ ሓፋሽ ክረብሓሉ እዩ። ምክንያቱ ህዝባዊ ስልጣን ስለዝኾነ። ስለዚ ህወሓት ህዝባዊ ስልጣን ዝሽርሽሩ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን እናርኣየ እንትመፅእ ብኡ መጠን ረብሓታት ህዝቢ እንትብደል ምስረኣየ እዩ ጠጠው ኢሉ ዝግምግም ዘሎ። እቲ ስልጣን ንውልቀ ረብሓኻ ምጥቃም ዝብል ዘይህዝባዊ ተግባርን ኣተሓሳስባን ድማ ሐዚ ዝመፀ እንተይኮነስ ኣብ ዝሓለፈ ተሃድሶ ዝተገምገመ እውን እዩ። ህዝባዊ ስልጣን እናተጓደለ እንትመፅእ፣ ምሁር ብስልጣኑ ኣቢሉ ረብሕኡ ናብ ምርግጋፅ እንተተሰጋጊሩ ገዛኢ ደርቢ ናብ ምዃን ከም ዝኸይድ መስመር ተሃድሶና ነፂርዎ ሓሊፉ እዩ። ብኣንፃሩ እንድሕር ሕቶታት ህዝቢ እናመለሰ ረብሓታት ህዝቢ ንምርግጋፅ ኩሉሻዕ እንተወይኑ ከዓ መስተንክር ከም ዝሰርሕ ተቐሚጡ እዩ። ነዚ ንምግባር ዘየቋርፅ ቃልሲ ተወሊዑ ኣብ ረመፅ ቃልሲ ክነብር ኣለዎ።

ስለዝኾነ ነዚ ኩነታት፣ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዕምቆት ንባዕሉ ርእይዎ። ካብ ታሕተዋይ ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ በዚ ዝግለፅ ፀገማት ከምዘለዉ ፈቲሹ እዩ። ንኣብነት ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣመራርሓ በቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ይውስን ድዩ ዘሎ? ብእዋኑ መልሲ ይህብ ዶ? ሰናይ ምምሕዳር መሰረት ዝገበሩ ስፋሕቲ ጉድለታት ዝመፅኡ ዘለዉ ንህዝቢ ዘድምፅ ኣመራርሓ ካብ ዘይምህላው ዝብገስ ምዃኑ ኣብዚ መዳዩ ድማ ናቱ ብፅሒት ዝዓበየ ከምዝኾነ ብዕምቆት ርእዩ። ነዚ ዓቕሚ ከየረጋገፀ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ናብ ስልጣን ክመፅእ ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ። ማእኸላይ ኮሚቴ ንኽትምረፅ ሰፊሕ ዝንባለን ድሌትን ኣሕዲርካ ብኡ ኣቢልካ ስልጣን ክትሕዝ ናይ ምድላይ ዝንባለ ኣሎ። ይኹን እንበር ቅድሚ እዚ ብቕዓትን ህዝቢ ዘገልገል ኣረኣእያ ምሽካምን እዩ ክረጋገፅ ዝግባእ። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ ረብሓ ህዝቢ ምርግጋፅ ውልቀ ጥቕሚ ናብ ምርግጋፅ እዩ ዝሰግር ዘሎ። በዚ መንገዲ ከይድና ሓያል መስዋእቲ ከፊሉ ሐዚ ክለምዕ ዝፅበ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ኣይንመርሖን። እዚ እቲ ዋና ፀገምን ምንጭን እዩ ኢልና ዋላ እኳ እንተርኣናዮ ምስዚ ትኹረት ሂብና ዝገምገምናዮም ካልኦት ዓበይቲ ፀገማት እውን ኣለዉ።

እቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝቕመጥ፣ ናይ ውሽጢ ውድብና ዲሞክራሲያዊ መስርሕን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ዝኒሀ ኩነታት ዲሞክራስን ካብቶም ዓብዪ ቦታ ሂብና ዝገምገምናዮም ነጥብታት እዮም። ውድብ ኣብ ውሽጡ ዓሙቕ ዝኾነ ዲሞክራሲ እንተዘይሃልይዎ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ሽግራት ብድፍረት ክቃለስ ኣይኽእልን። እቶም ሽግራት እናዓብለሉ እዮም ዝኸዱ። ፀገማት ዝነቅስ ሓይሊ ኣይህሉን። ኣብ ውሽጢ እዚ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ዘይብሉ ውድብ ኣብ ህዝቢ ኣትዩ ዲሞክራሲ ከረጋገፅ ኣይኽእልን። በዚ መንፅር ኣብ ሕብረተሰብ ዝለዓሉ ዘለዉ ፀረ ዲሞክራሲያዊ ባህርያት ብሰፊሑ ርኢና። ገምጋማት ኣብ ክንዲ ስራሕ ማእኸል ዝገበሩ ዝኾኑ ብዘለካ ቅርበትን ምትእስሳርን መሰረት ዝገበሩ ኣብ ምዃን ዘለዎም ኩነታት ብዕምቆት ተራእዩ። ድሕሪ ተሃድሶ ንምስፋን ዲሞክራሲያዊ ባህርያት ዝወፅኡ መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን እናተረስዑ ከይዶም። ስለዚ ውሽጢ ምሕደራ ውድብ ኣብ ንፁር ኣሰራርሓን ደንብን ገይሩ ኣብ ምኻድ ካብ እዋን ናብ እዋን እናቐነሰ ከምዝኸደ ተራእዩ።

ደሓር እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፀረ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ህዝቢ እውን ይሰርፅ። መደባት ኣብ ምፍፃም እውን ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝግለፁ ፀረ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓሳት ተራእዮም እዮም። በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ካብቲ ዲሞክራሲያዊ መትከል ወፃእ ናይ ባዕሉ ረብሓ ንምርግጋፅ ዝንቀሳቐሰሉ ኩነታት ነይሩ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ህዝቢ ትግራይ ብነፃ ማሕበራትን ውዳበታትን ኣቢሉ ብነፃነት ክቃለስ ኣብ ምግባር ድኹም ምንባሩ ተገምጊሙ። ህወሓት ኣንትጋገ ጌጋታቱ ዘርእዩን ዝእርሙን ሓፋሽ ማሕበራት፣ ሞያን ምሁርን ውዳበታት ኣብ ምፍጣር ኣይተሰርሓሉን። ነቲ ስርዓት ይቃወማ ድየን ወይስ ይድግፋ ኢልካ እምበር ነቲ ስርዓት መሰረታዊ ትርጉም ዝህባ ስለዝኾና ነፃነተን ዝገፍፍ ጉዳይ እንታይ እዩ ኢልካ ኣብ ምፍታሕ ኣይተሰርሓሉን። በዚ ምኽንያት እውን ጠንካራ ማሕበራትን ውዳበታትን ኣይተፈጠራን።

ብኻልእ ገፅ ሚድያ ኣብ ረብሓ ህዝቢ እናወገነ ውድብን መንግስትን ካብ ረብሓ ህዝቢ ምርግጋፅ ውፅእ እንትብል ዝነቅፍን ዘስተኻኽልን ክኸውን እናተገበኦ ግን ድማ ሚድያ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ክንፀባረቕሉ ብዘኽእሉ መንገዲ ኣይተመርሐን። ካልእ ድማ ንልዕልነት ሕጊ ዝጣበቓ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ዝተብሃላ ኣለዋ። እዘን ንልዕልነት ሕጊ ዝሰርሓ ዝተፈላለያ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ትኹረት ብምሃብ ክጠናኸራ ኣብ ምግባር እውን ድኽመት ምንባሩ ተራእዩ እዩ። ሓፋሽ ማሕበራት ኣብያተ ምኽርን ውዳበታትን ንውድብን መንግስትን ተኸታቲለን ጌጋታቱ ብነፃነት ዝነቕፋን ዘስተኻኽላን ክኾና ኣብ ምግባር ብዝግባእ ከምዘይተመርሐ እዩ ተራእዩ።

ብሳልሳይ ብርኪ፣ ኣብ ውሸጢ ውድበ ዘሎ ኩነታት ቃልሲ ዝጠመተ እዩ ነይሩ። ኣብ ምቅልላስ ብዘሎ ሰፊሕ ሽግር እቲ ውድብ ምዝሕሓል ኣርእዩ እዩ። ንቑሕ ካድረ ፈጢርካ መስመሩ ብንፁር ፈሊጡ ምንቅስቓስ ውድብ ኣብ ምክትታል ይተርፍ ኣሎ። ስለዚ ካድረ ብተኸታታሊ ሰሚናራትን ፖለቲካዊ ስልጠናታትን ኣቢልካ ሰፊሕ ንቕሓት ክህልዎ ኣብ ምግባርን ፅርየት ኣብ ምውናንን ጉድለታት ኣለዎ። ብምዃኑ እውን ሰፊሕ በለፅን ምክእኣልን ይረአ። በብእዋኑ ድኽመት ናይ ምትእርራም ናህሪ እናተጓደሉ ዝመፅእሉ ሽግር ተፈጢሩ። በዚ እንተቐፂሉ ህልውና ውድብ ዝጠንበወ ናብ ምዃን ክሰጋገር ዘኽእል ሓደጋ እዩ። ምኽንያቱ ህዝባዊ ኣረኣእያታት እንትሽርሸሩ ብትረት ዘይእርም ኣባል እንትህሉ ጥንካረን ዋዕን ቃልሲ እውን ይደክም።

ብራብዓይ ብርኪ፣ ዝተርኣየ ምኽንያት ዓበይቲ ጉድለታት ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር ዝምልከት ዛዕባ እዩ። ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ብኣድልዎ፣ ወገናውነት፣ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ክራይ ዘይምቅላስ ዝግለፁ ድኽመታት፣ ንሓፋሽ ብማዕረ ርኢኻ ዘይምግልጋል፣ ሰፊሕ ጉድለት ተወፋይነትን ትልግምትን ዝብሉ ፀገማት ኣለው። ሪፎርምታት (መመሓየሺ መስርሓት) መሰረት ገይርካ ትካላዊ ዓቕሚ መገልገላይነት ኣብ ምህናፅ ክፍተታት ይረአ። ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ከምዚ ዝኣመሰሉ ጉድለታት ምፍፃም ከም ውርደትን ገበንን እዩ ተራእዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ዘቃለሶ ቀንዲ ምኽንያት ስእነት ፍትሒ ስለዝነበረ እዩ።

ሓምሻይ፣ ኣብ ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን ማእኸሉ ዝገበረ ኣጀንዳ ገምጋም እዩ። ብኣብዝሓ ከም ማእኸላይ ኮሚቴ ዝረኣዩ ኣብ ምሕደራ ፕሮጀክትታት፣ ዕደጋታት፣ ስርዓት ግብርን ታክስን፣ ነፃ ቀረፅ፣ ነፃ ንግዲ ዕደጋ፣ ዕለታዊ ምስ ህዝቢ ዘሎ ርክብን ምሕደራን፣ ምስ ሰብ ሃፍቲ ዘሎ ዝምድና ዝኣመሳሰሉ ፀገማት ርእዩ እዩ። እዞም ጉድለታት ቦታ ክሕዙ ዝኽእሉ ኣብ ቃልሲ ብዘሎ ምዝሕሓል ምዃኑን ብቃልሲ ክምርሑ ከምዝግባእን እዩ ተራእዩ። እዞም ጉድለታት ደንቢ ስነ ምግባር ውድብ መሰረት ብምግባር ኣብ ምምራሕ ዘሎ ጉድለታት ንቐፃሊ ብትኹረት ክስረሐሉ ከምዝግባእ እዩ ተራእዩ። እዚ ማለት እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ዝህቦ ኣመራርሓ ዘሎ ጉድለት እንተዘይኮይኑ ብተግባር ኣብዚ ፀገም ብምእታው ዝተገምገመ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ግን የለን።

ብሻድሻይ ብርኪ ዝተርኣየ ጉዳይ፣ ፀቢብነትን ከባብያውነትን ዝምልከት እዩ። ጉዳይ ፀቢብነትን ከባብያውነትን ንውድብን ህዝብን ይገልፅ እዩ ዝብል ገምጋም የለን። ህዝቢ ትግራይ ንብዙሓት እዋናት እናተቓለሰ እዩ መፂኡ። ይኹን እንበር ዋላ እኳ መጠኑ ዝነኣሰ እንተኾነ ምስቲ ሐዚ ዝርአ ዘሎ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ ምንቅስቓስ እንትህሉ ሓልሓሊፉ ዝረኣዩ ንመሓዙት ውድባት ኣብ ምጥርጣር፣ ንሕና ዝሓሽና ጠበቓታት ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኢና ኢልካ ምሕሳብ ዝኣመሰላ ምልክታት ተላዒለን ዘተ ተገይሩለን እዩ። ከም ተርእዮ ክግምገማ ስለዝግባአን እምበር ከም ዓብዩ ሽግር ዝተወሰደ ግን ኣይኮነን።

ካብዚ ብዝተፈለየ ከባብያውነት ግን ብሰፊሑ እዩ ተራእዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ክበፅሕ ዝኸኣለ ሓድነት ስለዝፈጠረ እዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ንሚልዮናት ኣተሓሳስባ ወኪሉ ጠጠው ንኽብል እዚ ከባብያውነት ዝበሃል ንምልክቱ እውን ክረአ የብሉን። እዚ ሕመቕ ከም ውድብ፣ ህዝብን ሃገርን ክንፃወቶ ንዝግባእ ተራ ኣስኢኑ ከም ህዝቢ ከጥፈአና ዝኽእል እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ኩሉ ንበዓልትና እያ ተጥፈአና። ስለዚ ዕብየት እንትመፅእ፣ ምውራድን ምድያብን ሓላፍነት እንትመፅእ፣ ቁፃር ሓይሊ ሰብ እንትህሉ ካልኦት ጥቕማ ጥቕምታትን ዕድላትን እንትህልው ምስ ከባብያውነት ክረአ እዩ ዝፍትን። ንኣብነት “ኣነ ተረባሒ ዘይኮንኩ ንዓይ ዝምጥን ናይ ከባብየይ ሰብ ስለዘየለ እዩ” ብዝብል እዩ ክርኢ ዝፍትን። ኣብ ክንዲ በቲ መስርሕ ምስ ዝምድናን ከባብን ብምትእስሳር ይረአ። ኣብ ላዕለዎት ኣመራርሓ እውን ነታ ናይ ከባብያውነት ዝንባለ ተጠቒሙ ናብ ስልጣን ክመፅእ ዝደሊ ኣሎ። ስለዚ እዚ ሓደገኛ ዝንባለ ኮይኑ ብዕምቆት ተዘትዩሉ እዩ።”

ውድብ በዘን ሽድሽተ መገምገሚ ነጥቢ ገይሩ ዝረኣዮ ፀገማቱ ክፈትሖ ይኽእል ዶ? ብስሩ ኸ ውድብ ህወሓት ንቲ ፀገም ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ክህልዎ ድ ? ብስሩ ኸ ውድብ ህወሓት ንቲ ፀገም ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ክህልዎ ድ ይኽእል? ንዝብል ሕቶ ውድብ ብኣርባዕተ ምኽንያት ክትፈትሖ ከም እትኽእል ኣይተ ኣለም የቕምጡ። ሓደ፣ ናይቲ ውድብ ባህሪ እዩ። ውድብ ህወሓት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፀገማት ክረክብ እንተሎ ባዕሉ ናይ ምእራም ሓያል ብቕዓት ዘለዎ ውድብ ብምዃኑ። እቲ ካልኣይ ድማ ልምዲ እዩ። ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ኣብ ጥቓ ገደል ዘብፅሑ ፈተናታት ሓሊፎም እዮም። ፈተንቲ ሽግራት ብፅንዓት ናይ ምሕላፍ ፅንዓትን ልምድን ኣለዎም። ስለዚ ህወሓት በዚ መድረኽ ተማሂሩ ስለ ዝሓለፈ ፈተናታቱ ብፅንዓት ክቃለስን ክፈትሕን እዩ። እቲ ሳልሳይ፤ ነቲ ፀገም ፈቲሕኻ ህዝባዊ ረብሓ ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ካልእ ኣሎ እዩ ዝበሃል ኣማራፂ የለን። እንተዘይተሃዲሱ፣ ፀገሙ ርእዩ ክፈትሕ እንተዘይፅዒሩ መንገዲ ጥፍኣት እዩ ዝሕዝ። ራብዓይ፣ እቲ ሐዚ ዘሎ መንፈስ ቃልስን ምንቅስቓስን ዝተረዳእናዮ ነገር ብሓያል መንፈስ ቃልስን ስምዒት ሓላፍነትን ክመያየጥን ክረዳዳእን እዩ ፈቲኑ። እዚ ምልክት እዚ ፀገማቱ ኣሪሙ ንህዝቢ ንምግልጋል ዘለዎ ቅሩብነት እዩ ዘርኢ። ነዚ ሓያል ቃልሲ ዘቐፅል ኩነታት ብምፍጣር ነቲ ፈተና ብፅንዓት ንምስጋር ከምዝከኣል ዘርእይ ተስፋ ድማ ኣለዎ፤ ዝብሉ ኣቶ ኣለም እቲ ገምጋም ናብ ህዘቢ ከምዝወርድን ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ማእኸል ሃገርን ወፃእን ዝርከቡ ዜጋታት፣ ቅድሚ ሐዚ ጠመተ ዘይገበርናሎም ዝተበሃሉ ክፋላት ሕብረተሰብ መናእሰይ፣ ምሁራትን ሰብ ሃፍትን ፊትንፊት ከም ዘተ ከምዝካየድ ይገልፁ። ነቲ ምሁር ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ስልጠናታት፣ ከከም ኣረኣእያኡ ዘተኣናግዱ ዝተፈላለዩ “ፎሮማት”ን መድረኻትን እውን ክንፈጥረሉ ኢና ይብሉ። 

ከም መፍትሒ ኣንፈት ተባሂሉ ዝተቐመጠ ጥቕልል ኣቢልካ እንትርአ ድማ፤ ምስ ህዝቢ ቀፀልቲ ናይ ዘተ መድረኻት ብምድላው ብስፍሓት ምይይጣት ምክያድ፣ህዝቢ ንዘቕርቦም ፍትሓዊ ጠለባት ውድብን መንግስትን ብኸመይ ከምዝፈትሕዎም ብምርኣይ ነቶም ብሽሙ ኽነግዱ ዝንቀሳቐሱን ሰላሙ ክዝረግ ዝገብሩን ዘለው ፀላእቲ ባህሪኦም ኽርዳእ ምግባር፣ ነቶም ቐንዲ መለዓዓልትን ስርዓት ኣልበኝነት ንምስፋን ዝዋስኡ ዘለውን ፈሊኻ ኣብ ልዕሊኦም ተሪር ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ፤ ዝብል ተቐሚጡ ኣሎ።

ህወሓት ንቲ ኩነታት ዝገምገመሉን መፍትሒ ኢሉ ዘቕመጦን እዙይ ካብ ኮነ፤ ብተዓዘብቲ ዘለው ኣረዳድኣታት እንታይ ከም ዝመስሉ ካብ ዝተፈላለዩ ኣከላት ዝኣከብክዎም ሓሳባት ጥቕልል ብዝበለ ከቕርብ (ኣብዚ ሪአቶታት ኣባላት ዝኾኑን ኣብቲ ገምጋማት ዝተሳተፉን ሰባት ዝብልዎ እውን ተኻቲቱ እዩ)፦ እቲ ፀገም ብዋናነት ናይ መሪሕነት ፀገም እዩ ተባሂሉ ግን ብፍላይ እቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ተኣጃጂሉ ምኽዱ ዓብዪ ጌጋ እዩ በኸምዚ ደማ ለወጢ ኣየምፅእን፤ ኣብቲ ገምጋም ዝተዘርዘሩ ፀገማት ናብ ሰብ ኣይተጣበቑን፣ ስልጣን ነውልቀ ረብሓኻ ምውዓል እዩ ዋና ፀገመይ ኢልካ ክተብቅዕ ግን መን እዩ ኣየናይ ስልጣን ነየናይ ውልቃዊ ርብሕኡ ኣውዒሉ እንታይ ስጉምቲ ከ ተወሲድዎ ተበልካ ግን ምንም የለን፤ ቅድሚ ሐዚ ብተደጋጋሚ ዝተጠቐሱ ፀገማት እዮም ሐዚ እውን ተገምጊሞም ስለዚ ሐዚ እውን ክፍትሑ እዮም ዝብል ተስፋ ንምሓዝ የፀግም እዩ፤ አዚ መድረኽ መን ከም ዝመርሖ ኣይፍለጥን፣ ሕንፋፅ ዘኾነ መሪሕነት እዩ ዘሎ (እቲ ለወጢ ዝደሊ፣ ማእኸል ሰፋሪ፣ ንቲ ለውጢ ዝቃወም ብሓባር ኮይኖም አዮም ዝመርሕዎ ዘለው)፤ እቲ መሪሕነት ዝረዳድኣን ጠንካራ ውዳበን ስርዓትን ዘለዎ ኣይኮነን፣ ብፍላይ እቲ ፖሊት ቢሮ ባዕሉ ንባዕሉ ዘይርዳዳእ ዝተተፋነነ፣ ስርዓትን ኣሰራርሓን ዘይብሉ ወይ ዘየኽብር፣ ብቶም ኩሎም ሕመቓት ማለት ብግዕዝይና ወይ ብበለፀኝነት ወይ ብፀረ ዴሞክራስያዊነት ወይ ብኸባብያውነት ዝግለፅ እዩ፤ ብስሩ እቲ ብዕምቆት ምህዳስ ዝብል ግልፂ ኣይኮነን፣ እቲ ገምጋማት ካብቲ ተራ ገምጋማት ዝፈሊ የብሉን ስለዚ ታይ አዩ ብዕምቆት ምህዳስ ዘብሎ? እቲ ስርዓት ንዴሞክራስያዊ ሃዋህው ምፍጣር ከም ዝምቹ ገይርካ ማለት ጠንካራ ኣብያተ ምኽሪ፣ ጠምካራ ሲቪክ ማሕበራት፣ ናይ ሞያን ሓፋሽ ማሕበራትን፣ ነፃ ሚድያ ወዘተ ብዘፍጥር ክርአ ነይርዎ እምበር እከለ ከምዙይ እዩ እከለ እዙይ ገበረ ኣብ ዝብል ጥራሕ ዝተወሰነ ገምጋም ምዃኑ ከምፅኦ ዝኽእል ለወጢ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ፤ እቲ ዋና ክሕተት ዘለዎ ንቲ ናይ ህዝቢ ናይ ለወጢ ድሌትን ጠለብን ከመይ ክንመርሖ ኣለና ዝብል ክርአ ነይርዎ፣ ንዙይ ዘዕንቅፍ ዘኾነ ይኹን ኣመራርሓ ድማ ክውገድ ክግበር ነይው፤ እቲ ገምጋም እንታይ ምዃኑ ቀልጢፍካ ንህዝቢ ክንገር ነይርዎ እዙይ ብዘይ ምኻኑ ዓብዪ ምድንጋራት ፈጢሩ እዩ፤ እቲ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ገምጋም ናብ ካድረ ይቕረብ ኣይቕረብ ዝብል ሰፊሕ ክትዕ ተገይሩ ይበሃል እሞ ንምንታይ ክትዕ ኣልዒሉ? ከመይ ተመሊሱ? ንምነታይ ዘክቀርብ ተገይሩ ዝብል ዓብዪ ቅሬታት ኣለው እዮም፤ ህዘቢ መን እንታይ ተባሂሉ ተገምጊሙ ክፈልጥ ይደሊ እዩ ይግበኦ እውን፤  ናይ ሰባት ለውጢ ምግባር ብገዛ ርእሱ ለውጢ ኣየምፅእን፣ ንመራሕቲ ዝገምገሙ ሰባት ድሮ ክትጥቅዑ ጀሚሮም ኣለው፤ ኣብቲ ምንቅስቓስ ንቅድሚት ዝወፀ ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ኣማእኺሉ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ ስለ ዘይወፀ ሓደ ፀገም እዩ  …. ወዘተ ዝብሉ ነጥብታት ብምልዓል ስግኣቶም ዝገልፁ ብዙሓት እዮም።

እሞ ሐዚ እንታይ እንተተገበረ ይሓይሽ ዝብል ምርኣይ ኣገዳሺ እዩ። እቲ ናይ ትግራይን ተጋሩን ኩነታት ብኽልተ መንገዲ ብውነ ክርአ ዝግበኦን ግዜ ዘይህብን ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓደ ኣብ ትግራይ ይረኣዩ ብዘለው ፀገማት ህዝቢ የማርር ስለ ዘሎን ካብ ፀገም ክላቐቕ ክግበር ስለ ዘለዎን ኮይኑ፤ ብቲ ካልእ ገፅ ድማ ፀረ ተጋሩ ዝኮኑ ዘመቻታት ብዝለዓለ ደረጃ እናተሰራጨው ካልኦት ህዝብታት ኣብ ልዕሉ ተጋሩ ምጥርጣራትን ፅልኣትን ከሕድሩ ይገበር ስለ ዘሎ እዩ። እሞ ሐዚ ኣብዛ ፅሕፍቲ እዚኣ ናይዚ ከምዙይ ዝበለ ዝተሓላለኸ ፀገም መፍትሒ አዚኣ እያ ኢለ ንምቕማጥ ዘይኮነስ ናይ ህዝብና ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕን ከም ህዝቢ ኣብ ዝሃገር ዝህልወናን ክህልወና ዝግበኦን ዕድል ከመይ ክኾን ከም ዘለዎ ኣንፈት ንምቕማጥን ከም ተጋሩ ክንዘራረበሉ ኣለና እየ ክብል ዝኽእል። ምናልባት ከመይን ኣበይን ንዘራረብ ንዝብል ቅሩብ ሓሳባት ምልዓል ክከኣል ይኸውን እዩ። ኣብዚ መጀመርታ ክንገብሮ ዘለና ዝመስለኒ ከም ህዝቢ ንውድብ ህወሓት ንኹሉ ነገራት ካብ ናይ ባዕሉ ናይ ሓደ ውድብ ረብሓ እናተበገሰ ዝርኢሉ መንገዲ ክእረም ምግባር እዩ። ኣብ ናይ ትግራይን ተጋሩን ጉዳይ ውድብ ህወሓት ሓደ ተዋሳኣይ ምናልባት እውን ብታሪኻዊ ኣገጣሚ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ተዋሳኣይ ድኣ እምበር በይኑ ኩሉ ነገር ዝገብርን ክገብር ዝግበኦን ሓይሊ ገይርካ ምርኣይ ጠጠው ክብል ይግባእ። ብመሰረት እዙይ ድማ ነገራት ካብ ናይ ውድብ ረብሓን ህልውናን ዘይኮነስ ካብ ናይ ህዝቢ ረብሓን ህልውናን ተበጊስና ብነፃን ሚዛናዊን መርኣዪ ክንግምግሞም ምኽኣል ንጀምር። እዚይ ንምግባር ነፃ መድረኻትን ነፃ ሚድያን ብምፍጣር ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝግባእ ብምፅናዕ ኣብቲ ኩነታት ሓበራዊ ኣረዳድኣ ብምሓዝ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን ክግበር ብዛዕባ ዝግበኦ ንፁር ኣንፈት ተቐሚጡ ኩሉ በታ ዝክእላን እትግበኦን ክዋሰእ ዝኽእለሉ መንገዲ ምምችቻው እዩ። ኣብዙይ ኣብ ወፃእ ዘለው ተጋሩ፣ ሳብ ሃፍቲ፣ ሙሁራት፣ መንኣሰይ፣ ተጋደልቲ፣ ወዘተ ከም ዋና ተዋሳእቲ ኮይኖም ክቐርቡ ይግባእ። ንኹሉ ዘተሓባብር ብሓባር ጉዳይና እንዝትየሉ መድረኽ ምፍጣር እታ ክትቕድም ዝግበኣ ተግባር እያ።