ኩሎም ካልኦት ሸግራት ካበዚ ዝፍልፉልን ንዐኦም ብምፈታሕ አቢለካ ዝመዓራረዩን እዮም፡፡

 

ብአበበ ተክለሃይማኖት (ሜጄር ጄኔራል)

ምዕቡልን ዘበናዊ ዝበሃል ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ህንፀት ሓዳሽ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ፤፤  ሰላም ንምምፃእ ብዙሕ ፃዕሪ ተገይሩ፣ ዛጊድ ኣብ ሰላም ዝሰአነ ቀርኒ ኣፍሪካ ናይ ሰላም ተምሳሌት ዝኾነት ሃገር ምባል ተጀሚሩ አሎ። ቑልጡፍ ዝኾነ ልምዓት ብምምፃእ ካብተን አብ ዓለም ዝግስግሳ  ዉሑዳት ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ።  እቲ ዴሞክራስያዊ አተሓሳስባ

IMG 1827

ዝድረኽ ናይ እማን ኢትዮጵያዊነት እዉን ይዕምብብ አሎ። እቶም ናይ ምግንፃል ሕቶ ዘልዕሉ ናይ ገለ ገለ ብሄር፣ ብሄረሰብን ህዝብታትን ሊሂቃን እዉን ኣካል ናይቲ ሃገር ኮይንኻ ናይ ብሄሮም ረብሓታት ንምንዳይ ምቅስቓስ ይጅምሩ አለው፤ እዚ ዘበረታትዕ ሃዋህው እዩ።ኣብ ኸባቢናን ኣብ ዓለም ደረጃን እዉን ተሰማዕነትን ፅልዋን እናዓበየ ምኻዱ ይበል ዘብል እዩ። ነዚ ክኸዉን ዝገበሩ ህዝብታትን፣ ዉድብን፣ መንግስትን ሓይልታት ፀጥታን ምስጋና ክልገሶም ይግባእ።ኮይኑ ግና አብ ዴሞክራታይዜሽን ብዘሎ ጉድለታትን ህዚውን ብዘሎ ዓመቕ ድክነትን ሰላምናን ልምዓትናን ናብ ሓደጋ ምውዳቕ ይጅምር አሎ።

ማንታ መሰረታዊ ሸገራትና ድክነትን ናይ ዴሞክራሲ ሕፅረትን እዮም፡፡ ኩሎም ካልኦት ሸግራት ካበዚ ዝፍልፉልን ንዐኦም ብምፈታሕ አቢለካ ዝመዓራረዩን እዮም፡፡ ንአብነት ኣብ ዝማዓበሉ ሃገራት ከራይ አካብነት ኣሎ  እነተኮነ ግን ኣብ ድካ ሕ/ሰብ ከራይ አካብነት ይጎልህ ፣ናይ ዴሞክራሲ ሕፅረት ደማይ  የገብሎ፡፡ ቱሑት ማህበረ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንትምክህትን ፀቢብነትን መሰረት ይኮኖ፣ ሕፅረት ዴሞከራሲ የባርዖ፡፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት ወፃኢን ብሔራዊ ደህንነት ፖሊሲ ነዛ ሃገር ክብትና ዝክእል ዉሽጣዊ ሽግራት ድኽነትን ሕፀረት ዴሞክራሲ ከምዝኮነ ብትክክል ተቀመጡ ኣሎ፡፡ ቆላህ ዝብሎ ኣካል ግን ዘሎ አይመስለኒን !!

ዴሞክራታይዜሽን እንትንብል ናይ ብሄር ብሄረሰባት መሰላት ማእኸል ገይሩ ናይ ዉልቀ መሰላት አጠናኺሩ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ዉክልናን ተሳትፎም ብስፍሓትን ብዕምቆትን ንምንጋስ ዝግበር ድምር ምንቅስቓስ እዩ። ሕገ መንግስቲ አፍልጦ ዝሃቦም መሰላት ብሙልኦም እንተይተሸራረፉ ንምትግባር ዝግበር ድምር ምንቅስቓስ እዩ።

ብሄር ብሄረሰባት ሕገ መንግስትና ዝፈለጠሎም/ Recognize ዝገበረሎም መሰላት ምስትምቓር ብምጅማሮም፤ ነዞም መሰላት እዚኦም ብዕምቆትን ብስፍሓትን ክረጋገፁ እንትደልዮ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ቀቀዲሙ ሰጊሙ ሙቹም ባይታ ብቐፃልነት ንምርግጋፅ ብዘይምኽአሉ ዴሞክራስያዊ ሕቶታት ደፊኦም እንትመፁ ደማይ ብቑልጡፉን ብዝተማለአን ፍታሕ ክግበር ብዘይምኽአሉ ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ኣዝማሚያ ስለዘሎ ቅልውላው ይዓቢ አሎ። ህዝብታት አብ ዕለታዊ ፓለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ምንቅስቓሶም ብነፃነትን ብዝመሰሎም መንገዲ ክመርሕዎ፤ ጥቕምታቶም፣ ክብርታቶም ንክረጋገፁ ወይ ብክራይ አከብቲ ክዕገቱ እንተለዉ ብነፃነት ሓሳቦም ካብ ምግላፅ ጀሚሮም ኩሉ ዓይነት መሰላት እንኮላይ ብሰላማዊ ሰልፊ  ተወዲቦም ከየረጋግፁ ዝኽልክል  መንግስቲ መሓዉር ይግንግን ኣሎ። ዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ተቓዉሞ ከም ሃፍቲ (Asset) ዘይኮነስ ከም ስግኣት ይረአ ኣሎ። አብ ትግራይ ዝነበረ ኮንፈረንሳትን ናይ እምባ-ሰነይቲ ህዝቢ ተቓዉሞን ከም አብነት ክረአ ይኽእል እዩ።

ናይ ምርጫታት ውፅአት  ኣታኣማመኒ ዘይኮኖሉ 100 ፐርስነት ሰዓራይነት ኣርቲፊሻልን  ሓደገኛ  ሙዃኑ ተራኢዩ ኣሎ፡፡ ካብ ጣብያ ጀሚሩ ክሳብ ፌዴራል ፓርላማ ዝበሉ ሕገ መንግስታዊን ዴሞክራስያዊን ትካላት ንናይ ህዝቢ ጥቕምታት፣ ሕቶታት ተዃሳሕቲ  (sensitive) ኮይኖም መስመር እናትሓዙ ብዘይምካዶም ን ናይ ህዝቢታት ናይ አተሓሳስባ ብዙሕነት (diversity of ideas) ዘንፀባርቑ ብዘይምዃኖም ዉክልና ንይስሙላ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ናይ ህዝቢ ኩለመዳያዊ ተሳትፎ እናተረጋገፀ ዘይምምፅኡ እቲ ናይ ዴሞክራታይዜሽን መስርሕ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ክልተ ስጉምቲ ንድሕሪት እናኸደ አብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። ኣብ ማህበረ-ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ስዳሮ ሃገርና ይበል ዘብል እካ እንተከነ ኣበቲ ልምዓት ብዝሎ ዘይፍትሓዊነትን ናይ ጠቅላላ ቁፅሪ ህዝቢ ምብዛህን ዘይዕግበት እናዓበየ ይከይድ ኣሎ፡፡

ከም ዉፀኢት ደማይ ሰላም ይድፍርስ ኣሎ፤ አብ ኦሮምያ አምሓራን ዝተርአየ ክሰፍሕን ክዓሙቕን ይኽእል እዩ። እቲ ፅልግልግ ግን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ይረአ ኣሎ፡፡ዛጊድ ዝከሰርናዮ ህይወትን ንብረትን ምፍንቃልን ከቢድ እዩ፡፡ ዝነበረ ዕግርግር ንግዚኡ ዚሒሉ ዝመስል እነተኮነ ዝተዳፈነ ሓዊ ስለዝኮነ ቁልጡፍ ፍታህ የድልዮ፡፡ ህዝቢ ተዘይለሚዑን ዝሰምዖ ተዘይረኺቡን ብኽንደይ ፃዕርን መስዋእትን ዝተሃነፅ ጅማሮ ዶዃዕዃዕ ክብል ከምዝኽእል ዝተረድአ ዴሞክራሲ ማእከል ዝገበረ ቅልጡፍ መፍትሒ ኣ የድሊ::

አብ ሞንጎ ህዝቢታት ምጥርጣር ይዓቢ አሎ፤ ትምክሕቲ፣ ፀቢብነትን ማሕበራዊን ፖለቲካዊን አኽራሪነት ይጉንጉን አሎ።እዚ ክስተት እዚ ዉድባትን በብደረጅኡ ዘለዉ መንግስታትን ዉሽጣዊ ድኽመቶም ንምሕባእ ክጥቀሙሉዉን ምቹው ባይታ ይፈጥረሎም አሎ እዩ። አብዚ ሓደ ልቢ ክበሃል ዘለዎ ነገር ግና ትምክሕቲ ይኹን ፅበት ጡጡሕ ባይታ ተዘይረኺቦም ሃገርን ጉዕዞ ልምዓትን ክህንድሱ ዘይምኽኣሎም እዩ። መሰረታዊ  ሽግር ናይቲ ስርዓት ዘሎ ናይ ዴሞክራታይዝይሽን ጉደለት እዩ።

ናይቲ ሕብረተሰብ ዓቕሙ ብዝተማለአ ምጥቓም አይተኽአለን። ብፍላይ እቲ ሙሁር ዓቕሚ ብዝተማለአ መንገዲ እጃሙ ከየወፊ ኒዮ ሊበራል፣ ተወላዋላይ፣ ትምክሕተኛ፣ ፀቢብ ወዘተ እናተብሃለ ክገልል ተገይሩ። እቲ ናይ ፖለቲካ ምህዳር (መንቀሳቐሲ መይዳ) ምፅባቡ ናይ ተቓዉሞ ፖለቲካ ኣብ ህንፀት ሃገሩ ከይሳተፍ ኮይኑ፡፡ ማእኸል ፖለቲካ ተቃውሞ ካብ ሃገር ወፂኡን ምስ ሓይልታት ራዕዲ ድማ ምትእስሳር ክገብሩ ይረኣዮ አለዉ።

ፓርቲ አብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ምሕሙዛቕ፤ ሓይልታት ፀጥታ አብ ፖለቲካ ምትእትታው ተተሓሒዝኻ ምርማስ እዩ ዘስዕብ። ምዑሩይ ክፍፍል ስልጣንን አብ መንጎ ክፋላት መንግስቲ ክህሊ ዝግበኦ ነን ሕድሕዱ ምክትታልን ምቑፅፃርን ነቲ ስርዓት ካብ ምብስባስ ዓቒቡ ግቡእ ሚዛን ሓይሊ ብምምፃእ ሉኣላዊነት ሰልጣን ሓፋሽ የረጋግፅ።ፓርቲ ካሊእ መንግስቲ ካሊእ መሓዉራት ምዃኖም ዘይግንዘብ አመራርሓን አወዳድባን ፅንሰ ሓሳብ ሃገር፣ መንግስትን ዉድብን ፈልዩ ስለዘይርኢ ነታ ዓዲ አብ ዓብይ ሓደጋ ከዉድቓ ዝኽእልን ፀረ-ሕገ መንግስቲን እዩ። ነቲ ስልጣን ሒዙ ማህተምን ፋይናንስን ጡንቻን ዝእዝዝ ስራሕ ፈፃሚ አደብ ክግዝእዋ ዝኽእሉን አያም በል ክብልዎ ዝክእሉ ትካላት ዴሞክራሲን መወከልቲ ሓፋሽ ዝኾኑ መንግስታዊን ሃገራዊን መሓዉራት ብናይ ዉድብ መሓዉራት ሕሙዙቕዙቕ ብዝበለ መንገዲ ምዉራሮም እቲ ስራሕ ፈፃሚ ኣካል ተሓዚ ዘይብሉ ዓንዳራይ ሃይሊ ኮይኑ ካብ ዝወፅእ ብዙሕ ግዘ ሓሊፉ፤ ዋላ ሳዕብየናቱ ኸዚ ገኒኖም ይዘረበሎም እምበር።

ኣብ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ልምዓት ቁልጡፍ ምምዕርራይ የድለ  ኮይኑ ግን እቲ ቀለጢፉ ምርግጋዕ ዘምጽእን ነቲ ልምዓት ቀፃልነት ከህለዎ ዝክል ሕገ-መንግሰቲ ኣፍልጦ ዝሃቦም ናይ ህዝብታት ስብኣዊን ዴሞክራሲያዊ መሰለት ብዝተማለአ ብምክባር አዩ፡፡ ከም ተቀጽላ ናይ ህዝቢታት መሰላት እቶም ፖለቲካዊ ውደባትን ሓፈሽ ዉድበትን ሙሉእ ነፃነቶም ተረጋጊፁ፤ ፀረ-ዴሞከራቲክ ህግታትን ዉዳበታትን በተ ዝወሰኖም ኣካል ከእገዱን ሕገ-መንግሰቲ ማእከል ተገይሩ በሰላም ክንቃለስ አና ምስ ዝብሉ ልዝብ እናተግበረ እቲ ኩነታት ከራጋገእ ምግባር ኣገዳሲ እየ፤፤ ተቃወምቲ ደማይ ሕቶ ሽግግር መንግሰቲ ፀረ- ሕገ መንግሰቲ ስለዝኮነ ከም ቅድመ ኩነት ከቅምጥዎ ኣይግባእን፡፡

 

ሕገ-መንግስትና ይከበር ብርቂ ህያብ ስውኣትና እውን ስለዝኮነ!!

ሕገ-መንግስትና እቶም ኣብ ዓለም ኣለዉ ካብዝበሃሉ ገስገስቲ ላዕለዋይ ሕጊታት ሓደ እዩ። እቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ሰብኣዊ መሰላት(Three Generations of Human Rights) ዝሓቖፈ እዩ። ናይ ውልቀሰብ፣ ናይ ጉጅለ (Group) መሰላት ዘኽብር፣ ፖለቲካዊ ጥራይ ዘይኮነ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ባህላውን መሰላት ዘረጋገፀ ኣብ ብዙሓት ሕገ-መንግስታት ዘየለ ናይ ምዕባለ (Development) ኮላይ ከባቢያዊ  መሰላት’ውን  (Environmental Rights ዝሓቖፈ እዩ።

እዞም መሰረታዊ መሰላት ብቐፃልነት ክኽበሩን ከይጠሓሱን ፌዴራላዊ ስርዓት ተመስሪቱ። በብደረጅኡ ዘለዉ ናይ መንግስቲ ኣካላት ብስልጣን ከይብዕልጉ (Abuse of Power) ናይ ስልጣን ምክፍፋልን ቁፅፅርን ስርዓት ዘርጊሑ። ምክልኻል ሃገር ጠንካራ ክኸውን ግን ደማይ ከይጫድር መትከላት ኣቐሚጡ ኩሎም ህዝብታት ብዝተፈላለየ ደረጃ ብነፃ ውዳበታት/ማሕበራት ተወዲቦም ሃገረ ክሃንፁ ሕብረ-ፓርቲ ስርዓት ዘርጊሑ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላም ንምፍታሕ ዘኽእል ናይ ሕገ-መንግስቲ ምምሕያሽ መስርሕ’ውን ኣቐሚጡ።

ደረጅኡ ይፈላለ ይኸውን ዳርጋ ኩሉ መሰላት ተጋሂሱ። ነዞም መሰላት ከይጠሓሱ ንምግባር ዝተቐመጡ ናይ ስልጣን ክፍፍልን ቁፅፅርን “ኣማልኽቲ” ዝኾኑ መራሕቲ ኢህወዴግ ክሳብ ዝሃለዉ ሽግር የለን ዝብል ብዝመስል ኣካይዳ ሑምዙቕዙቕ ኢሉ ሃገር፣ መንግስቲ፣ ፓርቲ ሓደ ከምዝኾኑ በቶም “ጉርዲ ዘይለግቦም” መራሕቲ ሕውስውስ ኢሎም፤ ኮነ ኢልካ ዝተገበረ ነገር ስለዝኾነ ከተሓዉዉስዎ ድማ ለይትን ቀትርን ሰሪሖምሉ።

እቶም “መላእኽቲ” ናይ “ክራይ ኣካብነት” ተሓላላፊ ህማም ሑዙና ኢሎም ኣዊጆም ንሕመስ ኣለና። ‘መጀመሪያ ካልእ እንተይሓወስና በይንና ክንፈትሖ ኢና ደሓር ናብ ህዝቢ ኣውሪድና ምስ ህዝቢ ኮይና ክንፈትሖም’ ይብሉ ኣለዉ።  እዞም መራሕትና ህዝቢ እንትደሊዩ ከም ቧምቧ ዝዓፅዎን ዝኸፍትዎን ገይሮም እዮም ዝሪኡዎ።  ህዝብታት ዝተፈላለየ ክብርታትን ጥቕምታትን ዘለዎም ምዃኑ ዝረስዑ ይመስሉ። እዞም ክብርታትን ጥቕምታትን ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታትን ውዳበታት’ውን ዝፈጥሩ ከምዝኾነ ዝዘንግዑ ይመስሉ። ነቲ ገባር፣ ሸቃላይ፣ ሙሁር፣ ከተመታይ፣ በዓልሃፍቲ ንኩሉ ንሕና ጥራሕ ኢና እንውክሎ እቲ ካልእ ኩሉ መንገዲ ጥፋት እዩ ዝብል እምነት ስለዘሎ ባዕልና ክንፈትሖ ኢና ዳሓር ናብ ህዝቢ ክንኸይድ ይብሉ ኣለዉ።

እቶም ተቓወምቲ ውዳበታት(መብዛሕቲኦም) ተመሳሳሊ ሕማም ዘለዎም እዮም። ንህዝብታት ኣንቂሖም፣ ወዲቦም ክንዲዝንቀሳቐሱ ናይ ሽግግር መንግስቲዝብል ፀረ-ሕገ-መንግስቲ  ዝኾነ ዉህብቶ ካብ ሰማይ ክወርደሎም ይልምኑ ኣለዉ። እንታይ ይገበር ሕብረተሰብ ብዝሃበካ ወይድማ ብዘለካ ውዳበ ኢኻ ትጅምር እሞ ኣብ ስልጣን ዘሎ ይኹን ተቓወምቲ ውድባት ሕገ-መንግስቲ መሰረት ገይርኩም ሓፋሽ ማሕበራት ኣዋዲድኩም እናተላዘብኩም መሰላትና ኣኽብሩልና ናይ ሃገርና ሰላምን ምርግጋዕን ኣንግሱልና ኢና ክንብል ንኽእል። ሽግራትና ናይ ኩለና እዮም፤ መፍትሒ ድማ ካብ ኩላና ኢትዮጵያዊያን እዩ ክኸውን ዝግባእ፤ መሰላትና ብዝተማለአ መንገዲ ብምምላእ ኣቢልካ ዴሞክራሲ ብምስፋን ጥራይ ዝፍፀም እዩ።

ሕገ-መንግስትና ላዕለዋይ ሕጊ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ መሰላትና ኣፍልጦ ዝሃበ ብምዃኑ ክኽበር ይግበኦ። እዚ ናይ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ቃልሲ ውፅኢት ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ንዓና ንተጋሩ ፍሉይ ስነ-ኣእምራዊ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። ንደርጊ ኣብ ምድምሳስ ምስ ቁፅርና ዘይመጣጠን ገዚፍ መስዋእቲ ከፊልና፤ ኣብ ነብስወከፍ ገዛ ዝኹሕኩሕ መስዋእቲ ኮይኑ።  ብጣዕሚ ተጎዲእና እነሃለና ሕልፊ እንተይሓተትና ንመርሽ ኢና እንብል ዘለና፤ ንብዓትና ብሕገ-መንግስትና ምድባስ ስለተጀመረ። ሕገ-መንግስትና ዝለዓለ ውህብቶ ን ብርቂ ህያብ ስውኣትና እዩ። ናይ ስውኣትና ሕድሪ ምሽካም ሕገ-መንግስትና ብምኽባር ይቕፅል።  ሕገ-መንግስትና ምግሃስ ንስውኣትና ምጉዳፍ እዩ። ፎቖዶ ኣኼባ ሕድሪ ስውኣትና ነኽብር፤ በይኑ ተመሊሱ ፀርፊ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

 ፍሉይ ስነ-ኣእምራዊ ምትእስሳር ኣሎ ማለትና ብዝተረኸበ ዜና፣ ማዕኸናት ቴሌቪዥን ይኹን ሬድዮ ወይ ካልእ ክንፍክረሉ፣ ኣካኪ ዘራፍ ክንብለሉ ኣይኮነን። ወይድማ ኣብ ባልኮኒ እንዳመስተ ክንጫድረሉ ወይ ድማ ዘይግባእ ረብሓ ንምርካብ ንሰባት ብምጥቃስ ተጋዲልና፣ ነፃ ኣውፂእናኩም እናበልካ ንትግራዋይ ኣብዘይወዓለሉ ክፅላእ ምግባረ ኣይኮነን። ንኩሎም ህዝብታት ምስ ኩሎም ህዝብታት ብሓባር ኮይና ዘምፃእናዮ ስርዓት ብሓባር ኮይንና ንሓልዎ ዓድና ብሓባር ኮይና ነልመዐያ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ናይ ስውኣትና ሕድሪ ምኽባር።

በዚ ምኽንያት ነዚ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ምምዕባል ፍሉይ ግደ ዝነበሮ ህወሓት/ኢህወዴግ እንተኾነ’ውን ላዕለዋይ ሕግና ክጣሓስ እንከሎ ሕደግ ኢልና ተሪርና ክንቃለስ፤ ተቓወምቲ ክሽርሽርዎ እንተለዉ ኣይፋልኩምን ክባሃሉ ኣብ ኤርትራ ተሸጒጦም ይኹኑ ካልኦት ዕጥቂ ዘልዕሉ ንኢትዮጵያ ተድምዩዋ ኣለኹም፣ ዕጥቅኹም ኣራጊፍኩም ብሰላም ተቓለሱ ወንጀለኛታት ኣይትኹኑ ክብሃሉ ኣለዎም።

ናይ ትግራይ ልዕልነት ብዝብል ፅውፅዋይ ንተጋሩ ጠሚቶም ዘጥቅዑ ዘለዉን ከጥቅዑ ዝደልዩን ሓይልታት’ውን ምስቶም ካልኦት ህዝብታት ኮይና ሕገ-መንግስትና ሓደ ብሄር ዓብላላይ ካልእ ተዓብላላይ ኣይፈቅድን ብተግባር’ውን የለን፤ ክኸውን’ውን ኣይኸእልን ክባሃሉ ኣለዎም። ነቶም ገሊኦም ጠራዕራዕ ዝብሉ ሰበ-ስልጣኑን መሻርኽቶምን’ውን ተጋሩ እውን ግደፉ ብኣና ኣይትሸቅጡ ንበሎም።

መሰላትና ክኽበር ሰብኣውን ዴሞክራሲያዊ መሰላት ብዝተማለአ ክረጋገፅ ብምቅላስ ኢና ስዉኣትና ህያው ንገብሮም፤ ሕገ መንግስቲ ምኽባር ማለት ዉህብቶኦም ምሕብሓብ ማለት እዩ፤  ሕገ መንግስቲ ምጥሓስ ማለት ድማ ሕድሪ ጀጋኑ ስዉኣትናን ሕልሚ ህዝብናን ምጥላም ማለት እዩ።

ጉዳይ ምክልኻል ሃገር - ሕገ-መንግስቲን ፅንፈኛታት 

ናይ ምክልኻል ሃገርና ኮር ሓይሊ ብሓዊ ዝተፈተኑ ብቕዓቶም ብተግባር ዘረጋገፁን እዮም። ናይ ሕጊ ልዕልነት፣ ተጠያቒነት፣ ግልፅነት ዘለዎ ምምሕዳር ኣብዘህልወሉ እዋን እቶም እንምከሐሎም መኮነናት ብቓዓቶምን ጅግንነቶምን እናጐለሀ ይኸይድ። ሰራዊትና ጠንካራ ይኸው ፡፡ ሕገ-መንግስትና መሰረት ገይሩ ዝግበር ህንፀት ንጅግንነቱ፣ ተወፋይነቱ፣ ብቕዓቱ መሰረት ይኸውን። ካልእ ውሻይ ግን ክኣትዎ የብሉን፤ ሕገ-መንግስቲ ጥራይ ይኸውን።  እቲ ምምሕዳር እንተተበላሽዩ ግን እቶም ብቑዓት ጀጋኑንብፍቓድና ክንሰናበትእናበሉ እንተይፈተዉ ዝወፅኡሉን እንተለዩዎውን ተሓቢኦምን ተዋሪዶምን ይነብሩ።

ኣብ ዘይማዕበሉ ሃገራት ናይ ፀጥታ ኣካላት ብፍላይ ምክልኻል ሃገር ኣብ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ብኣዎንታ ይኹን ብኣሉታ ዓብይ ግደ ኣለዎ። እቲ ዝላዓለን ዋና ግደን ነቲ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እቲ ሓንቲ ሃገር ካብ ደገ ከይትጥቃዕ ምክልኻል እዩ። ኣብ ናይ እቶ እቶ ግዜ (Emergency) ብሕጊ እንትፅዋዕ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ንህዝቢ ንምክልካል ምንቐስቃስ እዩ፡፡እቲ ካልእ ኣዎንታዊ ተርኡ ዝኸውን ካብቲ ናይ ሃገር ፖለቲካ ምሑምዛቕ እንተተቖጠበ እዩ። ሕገ-መንግስትና ጢሂሱ  እንተሓምዚቑ ግን ነቲ ሕገ-መንግስቲ ካብ ናይ ደገ ፀላኢ ክሕልዎሉ ቢልዮናት ዝጠፍኡሉ ሓይሊ ባዕሉ ይጥሕስ ኣሎ ማለት እዩ። ክልተ ጊዜ ሞት ይኸውን ኣሎ።

ናይ ኣሜሪካ ሰራዊት ከመይ ከምዝተሃነፀ ዘይፈልጡ ሰባት ምእንቲ ኣብቲ ፖለቲካ ከባላሽዉ “ኣሜሪካ ሰራዊታ ብሊበራል ዴሞክራሲ እያ እትሃንፅ፣ ንሕና ደማይ ሰራዊትና ብኣብዮታዊ ዴሞክራሲ፣ ያውም ናይ ኢህወዴግ መሰረት ገይርና ንህነፅ” ዝብሉ ጥራዝ ነጠቓት ንምርኣይ ምእንታን ብስፍሓት ክጠቅስ ፍቐዱለይ:: Constitutional Law For The Citizen Soldier በእኒ ደነስ ሃንት ዝተዳለወ ናይ ሕቡራት መንግስታተ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ መኮነናትመሰልጠኒ ከምዚ ይብል፤

“To succeed as an officer (and as a student in this course) you must comprehend the paradox of a military organization within a democratic society.  The military is necessarily non-democratic and authoritarian, but it defends democratic principles and are manned with citizen-soldiers drawn from a society which enjoys great personal liberties.  Within the military the extent to which personal liberties are abridged and authoritarianism observed are continuing issues.   You will be challenged to ensure that soldiers’ constitutional rights are neither unjustly nor unnecessarily abridged in the course of accomplishing your mission and administrating military low.

You constantly must be aware that the shield of military power which protects constitutional freedom and liberty can also be a sword for their destruction.  The founding fathers were very aware that civilian government is in perpetual danger from military usurpation.  To prevent this, the constitution and states carefully restrain military power.(ሰርዝ፣ናተይ)

ምክልኻል ሃገር ነቶም ሕገ-መንግስቲ ዘረጋገፅዎ መሰላት ጉራዴ ኮይኑ ክበጣጥስዎ ይኽእል እዩ። ወታደራዊ ክፍሊ ስልጣኑ ከየሕድጎ እቲ ሲቪል መንግስቲ ኣብ ዘየቋርፅ ሓደጋ ከምዘሎ ተረዲኡ ክቆፃፀሮ ኣለዎ ማለት’ዩ። መከላኸሊ ሰራዊት ዘይዴሞክራሲያዊ እዩ ማለት ፀረ-ዴሞክራሲያዊ እዩ ማለት ኣይኮነን፤ ፀረ-ዴሞክራሲ እንተኾይኑ እማ ኣየድልን። ቀንዲ ናይ መጨረሻ ስርሑ ኵናት ክውላእ  እንከሎ ብዝሓፀረን ብተነፃፃሪ ውሕድ ኪሳራ ምስዓር እዩ። ምእንተዚ ዓመታት ዝወስድ ስልጠናታት ትምህርትን ቀፃሊ ልምምድ ይገብር። ኣብ ኵናት ወለቕ ዘለቕ ከይብል ወይም ንመያየጥሉ ከይብል ቀፃሊ ክትትል ይግበረሉ።

ኣብ ወታሃደራዊ እዚ ምእታው ማለት ምእንተ ሃገር ኢልካ ናይ ገሊኡ ነፃነት ተጠቃሚ ብምዃንካ  ግን እቶም ዓበይቲ ዴሞክራሲያዊ መሰላት ብፍቓድካን እናፈለጥካን ይትረፈኒ ማለት እዩ’ውን ዝኸውን። ኣብ ዝኾነ ወታሃደራዊ እዚ ዘሎ ዜጋ ዘላቶ ዓባይ መሰል ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ንተወከልቲ ህዝብታት ምክር ቤት ዝኾነ ወኪል ምምራፅ እያ። ካብ ቀበሌ ክሳብ ክልል ዘሎ መረፃታት ኣይምልከቶን፡፡ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳብ ኣባል ክኸውን ኣይኽእልን። ንዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳብ ዕላዊ ደገፍን ምልዕዓልን ክገብር ኣይኽእልን። ኣብ ናይ ባዕሉ ኣዘዝቲ ምርጫ’ኳ ከም መሰል ኣይሳተፍን።

ዴሞክራሲ ክሕሉው ገሊኦም ከም ዜጋ ዘለዎ መሰላቱ መስዋእትነት ክኸፍል ቁሩብ ዝኾነን ኣብ ኵናት ደማይ እታ ኽብርቲ ሂወቱ ዘወፍይ ብምዃኑ ሃገርን ህዝብታትን ከኽብርዎ፣ ክውድስዎ፣ ክዝምርሉን ይግባእ። ናይ ኣባላት ሰራዊታት መሰላት ነቲ ሕገ-መንገስቲ መሰረት ገይሩ ብዝወፀ ኣዋጃትን ደንብታት ልዕልና ሕጊ (rule of law) ፣ ተጠያቒነትን ግልፅነት ብዘለዎ ምሕደራ ። ንምትግባሩ ግን ዓብይ ፈተና እዩ። ባዕሉ ልዕልና ሕጊ ፣ ተጠያቒነትን ግልፅነት ከም ኣምር ብቀሊሉ ስለዘይተሓዝን ምስ ክራይ ኣከብቲ ጥቅሚ ስለዝጋጨውን፡፡

ተፈጥሮ ምክልኻል ሃገር ብዝርዝር ምርኣይ የድሊ፡፡ እቲ ኣብ ዕጥቂ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሰራዊትን ሃገርዊ ሰራዊት ወታደራዊ ትካላት ምዃኖም እንተዘይኮኑ ተፈጥሮኦም ነንበይኑ እዩ። ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ዝስለፍ ሰራዊት ናይ ሓደ ውድብ ፖለቲካዊ ዕላማ ሒዙ ዝዋጋእ እዩ። ተዋጋኣይ’ውን ኣብ ሙሉእ ፖለቲካዊ መድረኻት ዝሳተፍ’ውን እዩ ነይሩ። መራሕቲ ከሳብ ማእከላይ ኮሚቴን ፈፃሚትን ናይ ኢህወዴግ ነይሮም።

ሕገ-መንግስቲ ክከላኸል ዝስለፍ ሰራዊት ግን ፕሮፈሽናል ሰራዊት ኮይኑ ፖለቲክኡ ሕገ-መንግስቲን ብዋናነት ካብ ወፃኢ ምሕላው እዩ። እዚ ብዝግባአ ካብዘይምፍላይን ናይ ካልኦት ሰራዊታት ፍልጦ ውሱን ብምዃኑን “ሰራዊትና ዴሞክራሲያዊ ” ኣባሃህላታት ይዝውተር እዩ፡፡  ኣብ ተሳተፍነትን ኣብ ህዝቢ ኣተሓሕዛን ዝሓሸ ነይሩ ክባሃል ይካኣል። 1993ዓ.ም ናይ ኢህወዴግ ፖለቲካዊ ቅልውላው ፈቲንዎ እዩ፡፡ናይ ሕጊ ልዕልና፣ ተጠያቒነት፣ ግልፅነት ይፅናሕ ተበሂሉ ብፖለቲካ ዝተሓደሰን ዘይተሓደሰን መለኪዒ ኮይኑ::

ናይ ሃገር ምክልኻል ጉዳይ ንኹሉ ወዲ ሃገር ዘሕስቦ’ኳ እንተኾነ ፅንፈኛታት ብፉሉይ ከጥቅዕዎ ወይ ንሓብሕቦ ክብሉ ይክእሉ እዮም። ምኽንያቱ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ትካል ስለዝኾነ ኣብዘይማዕበለ ሃዋህው ፅልውኡ ዓብይ ስለዝኾነ ካብ መስመሩ ሓሊፉ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ንሲቢል ሰብስልጣን   ኣሽቑሪሩ ክመርሕ ክፍትን ስለዝኽእል።

ፀረ-ተጋሩ ዝኾኑ ትምክሕተኛታትን ፀበብቲን ኣብ ሰራዊት ኮር ዝኾኑ ተጋሩ ስለዘለዉ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ትግራይ ልዕልነት ኣሎ ብዝብል ተጋሩ ዘይኮኑ ህዝብታት ከለዓዕልሉን ኣብ ንፁሃት ተጋሩ መጥቃዕቲ ክፍፅም ገይሮም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ደው ክብል ኣለዎ። ገሊኦም ፅንፈኛታት ተጋሩ ዝኾነ ግርፍጥና እንተሃለወ እውን መከላከያ ኣይትንኩእልና ውሕስና ተጋሩ ስለዝኾነ ይብሉ።  እወ ሓቅኹም ናይ ትግራይ እዩ ዳርጋ ማለት እዩ፡፡ እቶም ናይ ትግራይ ልዕልነት ኣሎ ዝብሉን መከላከያ  ውሕስና ተጋሩ እዩ ዝብሎም ካብ ሓደ ምንጪ ዝተቐድሑ እዮም። ፅንፈኛታት ካብዝተፈላለየ ኩርናዕ ተበጊሶም ይመጋገቡ፤ መጨረሽኡ ሓደ ይኾኑ ኩሎም ናይ ትግራይ ከምዝኾነ ገይሮም ይገልፅዎ ኣለዉ ማለት’ዩ። እዚ ሕገ-መንግስቲ ሒዝና ከምኡ ዝባሃል ክህልው ኣይኽእልን ውሕስና እንተኾነ’ውን ንኩሉ ህዝብታት ኢትዮጵያ እዩ ዝኸውን። ናይ ተጋሩ ጥራይ ውሕስና እዩ ማለት ጥልመት ስዋኣትና እዩ።

ፅንፈኛታት ከመይ ኢሎም ከምዝመጋገቡ ብካልእ ኣብነት ከብርህ፤ ሓደ ፕሮፈሰር ተጋሩ ድርኡ’ውን ከዳዓት እዮም ይብል። ካልእ ዶክተር ደማይ ኣምሓራይ ታሪክ የብሉን ይብል። ክልቲኦም ንህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ብዝሓፍር መንገዲ ይፀርፍዎ ኣለዉ። እቲ ኣምሓራይ ታሪክ የብሉን ዝብል ነቲ ትግራዋይ’ውን እዚ ዝበሃል ታሪክ የብልካን እዩ ዝባሃል ዘሎ ምኽንያቱም ናይ ባዕሉ ፉሉይ ታሪክ’ኳ እንተሃለዎ  ትግራዋይ እቲ ዝበዝሕ ታሪክ ምስ ኣምሓሩ ብሓባር ኮይኑ ዝሰርሖ ስለዝኾነ፡፡ ብሕታዊት ነፃነታ ስለረጋገፀት ኣፍሪካዊ ሃገር ክትኸውን ዝተክኣለ ኩሎም ህዝብታት ብዝገበርዎ ቃልሲ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን ኣብ ትግራይ ከባቢኣን ዝተገበረን ብሙካኑን ተጋሩ ዓብይ ተራ ስለዝነብሮምን እዚ ኣዘራርባ ነቲ ኣምሓራይ እውነ ይፀርፍ ኣሎ አይነብረካን አይትፈለጥን  ብምባል።

ኩሎም ህዝብታት ምክልካል ሃገር  ብሕገ-መንግስትና መሰረት ዝጣየሽን ብኡ መሰረት ዝንቀሳቐስ  ስለዝኾነ በዝሒ ናይ ዝኮነ ብሔር ብዘየገድስ ናይ ኹለና ዋህስ እዩ ክብሉ ኣለዎም። ዝፍፀም ጅግንነት ናይ ኩሉ ከምዝኾነ ኩሉ ጉድለታት እንተሊዮም’ውን ናይ ኩሉ  እዩ። ኣብ ጠቕላላ ስርዓት ሕገ-መንግስቲ ምጥሓስ ክህሉ እንከሎ ኣብ ምክልኻል ሃገር’ውን ክርአ ይኽእል እዩ። እቲ ዋና ነገር ብግዚኡ ክስተኻኸል ዘለዎ እዩ።

ከም ተምሃራይ ሕገ-መንግስቲን ሰላምን ደሕንነትን  ጡረተኛ ጀነራልን ምልክታት ክረአ እንከሎ ሓድጉኡ ምርኣይ መሰለይን ግቡእን እዩ። ናይ ክራይ ኣካብነት ኣተሓሳስባን ተግባርን ከመይ ይግለፅ ዝብል ብፍላይ ምስ ልዕልና ሕጊ፣ ተጠያቒነትን ግልፅነት መንግስቲ ገምጊሙ ዝብሎ እንሰምዕ ኢና፡፡ 

ኣብዝሓለፈ ዓመት ሰለስተ ኣጋጣሚታት መሰረት ገይረ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዝረአኽዎ ፀረ-ሕገ-መንግስቲ ምንቅስቓስ ዝመስለኒ ኣቕሪበ ነይረ፤

  1. ወይን ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ልሳን እናሃለወ ናይ መንግስቲ መስሪያ ቤታትን ብፍላይ መከላከያ ሚኒስቴርን ትካላቱን ስፖንሰር ምግባሩ ፀረ-ሕጊ ከምዝኾነ፤ ካብ ልዕሊኡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘሎ ኢታማዦርን ብምምጓስ ነቶም ብጡረታ ዝተገለሉ ልምንሻው ምሙካር(ኣይተኻኣለይ እምበይ) ዘይወዳደሩ ሰባት ብናይ ምክልኻል ሃገር ስፖንሰርነት ምኹናን ን ምፍርራሕ  ኢ-ዲሞክራሲያዊን ፀረ- ሕገመንግስ ቲምዃኑ፣
  1. ጀነራል ሳሞራ ኣብ ድሮ ግንቦት 20, 2008 ተምሃሮ ኣኪቦም ዝገበርዎ ዘረባ ሕገ-መንግስቲ ዝፃረር ምዃኑ
  • ንናይ ባዕሎም መስርያ ቤት እናናኣዱ ነቶም ሲቪልያን ሓለቕቶም ከናሽዉ ምሙካሮም፣
  • ኩሉ ሽግራት ብህወሓት/ኢህወዴግ ጥራሕ እዩ ዝፍታሕ ምባሎም፣
  • ሳልሳይ ኣብዚ ኮነ ክዓቢ፣ ክበቆል ወይ ክጠፍእ ምስዝኽእል ውድብ ንህዝቢ ትግራይ ምውድዳሮም ንህዝቢ ፀርፊ ብምዃኑ “ህወሓት እንተዘየላ ህዝቢ ትግራይ የለን ማለት” ንህዝቢ ዘናግዕ ፀረ-ሕገ-መንግስቲቅዋ ም ወግዓዊ ብዝኾነ ኣኼባ ምግላፆም።
  1. ናይ ሰራዊት ህንፀት ብወያናይ ዴሞክራሲ ዝብል ፁሑፍ ይተኣገድ ዝብል ግልፂ ደብዳቤ ንክቡር ጠቅላይ ሚኒስቴር ሀይለማርያም ደሳለኝ::
  • እዚ ዶክመንት እዚ ምክልኻል ሃገር ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ ዘብዒ ኢሉ ጀምሩ መጨረሽኡ ናይ ኢህወዴግ ናይ መጨረሻ ድፋዕ እዩ ይብል። ኢህወዴግ ክምዕብል ክመውት ይኽእል እዩ። ሰራዊትና ግን ናይ ሃገር ምክልኻል ትካል እዩ። እናተመሓየሸ፣ እናማዕበለ ዝኸይድ ካብቶም ናይ ሃገር  ዓንድታት ሓደ እዩ። እዚ ዓንዲ እዚ ምስ ናይ ሓደ ውድብ ኣረኣእያ ምጥባቑ ነቲ ሕብረ ፓርቲ ስርዓት ሃንዲሱ ምልክነት ዘንግስ እዩ። ውሑዳት ሰበ-ስልጣን ዝሽክርክርዎ ትካል ይከውን    ኣሎ ማለት እዩ።
  • ኢህወዴግ ብምርጫ እንተተሳዒሩ ጠበንጅኡ ናብ ህዝቢ ከቕንዕ ማለት ድዩ? ናይ ሰራዊት ኣዘዝቲ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ወያናይ ዴሞክራሲ ኣይኮንኩምን ኢሉ ከወግዶም ይኽእል ማለት ድዩ?

ብናይ ወይን ገ/ማርያም መሓመድ ዝምርሑ ብናይ ብዕሪ ስም (pen name) ሓደ ግዜ ካሕሳይ ካልእ ግዜ በእውነቱ ኣሸናፊ ወዘተ… ዝተውሃበ መልሲ ኣንቢብኩም እንተኾይንኩም እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደየናይ ሓደገኛ ምዃኑ ምተረዳእኩም፤ እቲ ዝተደላደለ ስርዓት ዘለዎ ኣሜሪካ ንናይ ወተሃደራዊ መኮንናት እቲ ተፈጥሮ ናይ ምክልኻል ሃገር ነቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ምጉዕዛዝ ቀፃሊ ሓደጋ ከምዘሎ እንተምህሩ፤ ኣባና ባዕልና ሕገ-መንግስትና እንትጠሓስ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት መኮንናት ተጋሩ ስለዝኾኑ ኣይትንክእዎም ማለት ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ።

ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ንሕና ተጋሩ ናይ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ፅባሕ ክንሓስብ ኣለና። ኣብ ምክልኻል ሃገር እንመን ኣለዉ ዘይኮነስ ትኽክለኛ ስርዓት ዶ ይህነፅ ኣሎ? እዩ እቲ ከጨንቐና ዘለዎ። ትኽክለኛ ስርዓት ከሳብ ዝሃለው ናይ ተጋሩ ጀነራላት በዝሒ ዘስግኦ ህዝቢ ክህለው አይግባእን እቲ ናይ ምምጥጣን ከይዲ ከምዘለዎ ኮይሉ፡፡ናይ ተጋሩ ጀነራላት በዝሒ እናቆፀረ ውህስናና ዝብል ቁርብ ዘውር ኢሉ የህስብ፡፡ድህሪ ቁሩብ ዓመታት ብዕድመ ይኩን ብካልእ ምክንያት ክውህዱ እነተለው ናብ ንብዓት ከይኣትዉ፡፡ ውሕስናና ቁፅሪ ዘይኮነስ ስርዓት እዩ፡፡  

 

ራእይ ፈታዊ የብዝሕ፤ ዓይኒ መርፍእ ዝጠፍኦ ፀላኢ ይፍልፍል!

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ጉዳያትን ብሄራዊ ደሕንነት ፖሊሲ(ኢወብደፓ) ካብቶም ቕድሚኡ ዝነበሩ ፖሊሲታት ሓደ መሰረታዊ መፍለይኡ ኩሉ ዝግበር ገይርካ ፈታዊ ምትእኽኻብን ምብዛሕን ምውዳብን እዩ። ሃገርና ምስ ጎረባብታ ኹሎም(በዘይካ ኤርትራ) ብጣዕሚ ፅቡቕ ርክብን ምርግጋዕን ክህልዋ እጃም እቲ ፖሊሲ ፅቡቕ እዩ ። ብሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረታዊ ግጭት ክህልወና ይኽእል ኢሎም ምስ ዝሓስቡ ከምኒ ግብፂ’ኳ ክንድዝከኣል ብሓባር ንምስራሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ። ፍረ’ውን የምፅእ ኣሎ። ኣፈላላይ ስለዘየለ ዘይኮነስ ኣብቲ ናይ ሓባር እምነት ብሓባር ንስራሕ ዝብል እዩ። ፀላኢ ምብዛሕ ካልእ ጥፋት’ምበር ልምዓትን ሰላምን ስለዘየምፅእ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሌ/ጀነራል ፃድቃንን ኣነን ናይ ህዝብታትና ኩነታት ኣገዲሱና ብዋናነት ሕገ-መንግስቲ ይከበር ብዝብል ቴማ ንፅሕፍ ኣለና። ገሊኦም አመራርሓ ህወሓት እቲ ብመፅሓፍ እንገብሮ ፈተናታት ብአዎንታ ይርእይዎ፡፡ ከም ዜጋታት ሕገ-መንግስታዊ መሰልና ክኽበር አለዎ ኢሎም ስለዝኣምኑ፡፡በቲ ካልእ ገፅ እቲ ዘለናዮ ኩነታት አገዲስዎም እዮም ዝፀሓፉ ዘለዉ ዝጠቅም ይህልዎም ንርአዮ ዝብሉ አለዉ፡፡ ገሊኦም እዚ እዚ ትኽክል ኢኹም አብዚአ ተጋጊኹም ይብሉና፡፡ ብዝኾነ መሰልና ብምኽባሮም፤ኩነታት አገዲስዎም እዩ ብምባሎም ሓሳብና ይቀበልዎ ኣይቀበልዎ ብዘየግድስ የቐንየልና ይብል፡፡ ብፍላይ ንከም ምክትል ቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ደብረፅዮን ብዕሊ አብ ውራይና እቲ ክኾን ዝግብኦ ብምባሎም ደጊመ የቐንየልና እብል፡፡

ፃድቃንን ጆቤን ፀላእቲ እዮም ዝብል ዝፈልፈለ አብቲ ናይ ውድብ ታሪክ መፅሓፍ መድረክ እዩ፡፡ አብዚ ንምንታይ ዘይሳተፍ ኢሎም ገሎኦም ሓቲቶም በቃ ፀላእቲ እዮም ተባሂሎም፡፡ ዝገርመኩም ነገር ከይንአትው ዝወሰኑ አብ ናይ ህወሓት አመራርሓ ዘየለዉን ሕዚ እውን አባላት ውድብ ዘይኮኑን እዮም፡፡ እቲ ህወሓት ዝበሃል አብምንታይ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ ዓይኒ ንዘለዎ ዘርኢ እዩ፡፡

ፀላእቲ እዮም ዝብል መምርሒ ወሪዱ መምርሒ ተቀበልቲ ገሊኦም አመራርሓ ህወሓት ከምዘላቶ ይወስድዋ፡፡ ምስቲ ፀረ-ዲሞክራቲክ አተሓሳስብኦም ስለዝኸይድን ትእዛዝ ስለዝኾነን፡፡ ገሊኦም ከኣ ብፍርሒ ተቐቢሎምዎ ሕዚ ኣብ ወረዳታት እንተይተረፈ ፀላእትና እናበሉ ክሰርፁ ይንቀሳቀሱ አለዉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝዓለመ ናይ ፅንፈኛታት ምንቅስቃስ እናሃለወ ከመይ ኢሎም እዮም ንዓኹም ከምዚ ይብሉ ኢሉኒ ሓደ ዓርከይ አነ እውን ገሪሙኒ እዩ ኢለዮ፡፡

 “ኣፅቂጦም ዝፀንሑ...ዝደኸምና መሲልናዮም ምፅሓፍ ጀሚሮም። ኦነግ ወዲ ኦነግ ይብሉ ኣለዉ። እዞም ፀላእቲ ክንምክቶም ኢና” ተባሂሉ። ፀላኢ ኢሎም ንዝኾነ ሰብ ክፍርጁ መሰሎም እዩ፣ ንምንታይ ፀላእቲ ከምዝበሉና ክርደአኒ ግን ኣይካኣለን። ካብ ፀርፍን ምፍርራሕን ስም ምጥፋእን ሓሊፎም እንተበሪሆምለይ ብምባል እዬ ዝቕስቅስ ዘለኹ። ምስ ግብፂ ክዘራረቡ ቁሩባት ዝኾኑ ኤርትራ’ውን ሕራይ እንተይሎም ኣብ ጠረጴዛ ክዘራረቡ ቁሩባት ከምዝኾኑ ይገልፁ ኣለዉ። እንታይ ኢኹም ትብሉ ዘለኹም ኢሎም ምሕታት ንምንታይ ነውሪ ገይሮሞ? ፀላእቲ ዝብል ኣርማ ክልጥፉ ተጓይዮም።

ናየይ ትፅቢት ኣብቲ ዝፀሓፍናዮ ይጠቕመና እዩ ዝብልዎ ንእሽተይ’ውን እንተኾነ ክወስድዎ ዘይረብሕ እንተኾይኑ ናብ ጓሓፍ ክድብርዩዎ እናኸኣለ ንምንታይ ናብ ፀላእቲ ንምባል ብማራቶን ተጓዒዞም።ንህወሓት ዝነቅፍ ፀላኢ እዩ ማለት እኮ ፋሽሽታዊ ኣገላልፃ እዩ። ንህወሓት ዝነቅፍ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘለዎም እንተኾይኑ ኣብ ቅድሚ 40 ዓመት ዝነበረ ጉጉይ ኣተሓሳስባ ደው ዝብሉ ምስ ሕገ-መንግስትና ክኸዱ ዘይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። ንባዕላይ ኩሉ ግዜ ክፍትሽ እትሕግዘኒ ሓንቲ ጥቕሲ ብእንግሊዝኛ ከቐምጥ ፍቐዱለይ። “Progress is impossible without change and those who cannot change their minds cannot bring change” George Berard Show ትርጉም: “ብዘይ ለዉጢ ግስጋሰ ዘይከኣል ነገር እዩ፤ ሓንጎሎም ምቕያር ዝኣበዮም ሰባት ድማ ለዉጢ ከምፅኡ አይኽእሉን።”  ቢኤታ(2002፡13) ዝበሃል ሙሁር እውን ከምዚ ይብል “ህይወት አብ ትሕቲ ምምሃር መስርሕ እንትአትው ሓሳብና ብነፃ ምግላፅ እንትንኽእልን ናይ ካልኦት ሓሳባት ብነፃነት ምርካብ እንትንኽእልን”

ናይ እምባሰነይቲ መሰል ሕቶን ናይ ወልቃይት/’ዶብ’ ‘ጉዳይ’ ኣብ መጀመርታታት ልዕል ዝበለ ምንቅስቓስ ክግበር ከሎ  “ድሕሪ ብፃይ መለስ መስዋእቲ ዝተዳኸምና መሲሉዎም ፀላእቲ ይፈታተኑና አለዉ…..” ኢሎም ሓደ መራሒ ክዛረቡ ምስ ሰማዕኩ ብጣዕሚ ሓፊረ። ከምዚ ኣቡኡ ዝሞቶ ቆልዓ ዝኾነ ሽግር ከጋጥሞ እንከሎ ብዓቕለ ፅበበ ‘ኣቦይ ተዝህልው እኮ...’ እናበለ ኩሉግዜ ዝበኪ ዓይነት ኮይኑኒ።

ዝተዳኸምና መሲሉዎም ኣፅቂጦም ፀኒሖም ዝብል ናይ ትሕትና ሳይኮሎጂ (Inferirority Complex) ኣብ መራሕቲ ሃገር/ክልል እንተልዩ ሓደገኛ እዩ።  ካብቲ ሽግር ንምውፃእ ወይ ድልየት ወይ ዓቕሚ ተሲኢኖም እሞ ግን ኣይከኣልናን ኢሎም ስልጣን ከረክቡ ፍቓደኛታት ተዘይኮይኖም ፀላኢ ከናድዩ ሃሰውሰው ይብሉ። ፀላእቲ ምብዛሕ መንበረ ስልጣኖም ዝህልወሎም ይመስሎም።

ፀላእቲ እዮም ክንምክቶም እንትብሉ ብጠበንጃ ሞቖሕን እንተኾይኑ እንታይ እሞ ክንብል ሕገ-መንግስቲ ብኣውርኡ እናተጥሓሰ ናይ ክልተ ሰባት ጉዳይ ንእሽተይ እዩ። ደረትና ሂብና ምፅባይ እምበይ ታይ ድኣ ክንገብር ፡፡ ክንፅሕፍ እንከለና እዚ ሓደጋ ከምዘሎ እናፈለጥና እዩ፤ ከይንፈርሕ ደማይ ህዝብና ኣየመሀረናን።

ኣብ እንፅሕፎ ጉዳያት  ከንቡቡ ዕድል ክረኽቡ ዘይከኣሉ ተጋሩ ብፍላይ ተጋደልቲ ነበር ሓደ ክልተ ቃላት እናቆንጠርካ ፀላእቲ እዮም እናበልካ ፅሑፋት ከይንበብ ዝግበር ፈተነ ብዙሕ እዩ። ከምዚ ከምዚ ኢልካ ኢሎም ብዙሓት ምስ ከበሬታ ግን እናተናደዱ ‘ጆቤ ከመይ ኢልካ ከምዚ ትብል?’ ይብሉኒ። ኣንቢብካዮ ዲኻ ይብሎም፤ ‘ኣይ ኣነ’ኳ ኣይረኸብኩዎን ግን እከለ ነጊሩኒ’ ይብሉኒ። ንሱ ኸ ኣምቢብዎ ድዩ ይብሎም። ‘እንድዒ’ ይብሉ። እምበኣይ እቲ ፅሑፋት ክህበኩም ኣንብብዎ እሞ ደሓር ክንመያየጠሉ እብሎም። ምስ ኣንበቡ እቲ ናይ ንዴት መንፈስ ይቕንጠጥ ገሊኦም ሙሉእ ብሙሉእ ይድግፍዎ ገሊኦም እዚ ሓቂ እዩ፤ እዚ ግን ትኽክል ኣይኮነን ይብሉ። ብበልዐካ ለኽዐካ መርገፂ ምሓዝ ሓደገኛነቱ ንራደደአሉ።

ሕዚ’ውን ዝኾነ ዝፅሕፍ ክፀሓፍ እንከሎ ኣይዞኻ ክንብሎ ኣንቢብና ዝመሰለና ክንሕዝ ይግባእ። ኩሉ ትግራዋይ ብፍላይ ተጋዳላይ ነበር(ብዘይካ ብጥቕሚ ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት) እቲ ንፅሕፎ ዘለና ብርግዓት ኣምቢቡ ዝተጋገናዮ እንተሃለዎ ደማይ ብኣካል ይኹን ብፅሑፍ ክእርመና እሞ ንባዕልና ክነማዓራሪ ዕድል ክወሃበና ይላቦ።

 ኣቱም ፀላእቲ ኢኹም ኢልኩም ዝፈረጅኩምና፤ ኣነ ፀላእቲ ኣይብለኩምን። ብውሕድ ዝፈፀምክምዎ መስተንክራዊ ስራሕቲ ስለዝፈልጥ በቲ ካልእ ወገን ደማይ እቲ ኢ-ዴሞክራሲያዊነት ኣብ ኩልና ዘሎ ሽግር ስለዝኾነ ፀላእቲ ኣይብለኩምን። ናይ ባዕለይ ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ከጎልብት እየ ዝፅዕር እምበይ።

እንፅሕፍ ዘለና ሃገርና ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ወፂኣ እቲ ዝጀመረቶ ልምዓት ክዕንብቦ፤ ሰላም ዝበለፀ ክረጋገፅ ኢና እንኽእሎ ነወፍይ ዘለና። ብዙሕ እንጋገዮ ክህልው ይኽእል። ጌጋ ምዃኑ ተኣምናሉ ከምቲ ተጠሊዕና እንነቕፈኩም ዘለና ኣነ’ውን ብዘይወለምዘለም ብኣዋጅን ከልዕሎ እየ። ካልእ ዕላማ ስለዘይብልና።

እቶም ፀረ- ተጋሩ ፅንፈኛታት ኣብ ወፃእ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እንፅሕፎ ከይንበብ ብዙሕ ፃዕሪ ይገብሩ እዮም። ንህወሓትን ናይ ትግራይ ዓብላላይነት ሽግር ስለዘጋጥማ ፅገናዊ ለውጢ ከምፅኡ ስለዝደለዩ እዮም ይብሉና፡፡ ኣብ ብጣዕሚ ድሑር ፖለቲካዊ ህዋህው ስለዘለና ከም ቅቡል ንወስዶ እሞ እናሳሓቕና ምፅሓፍና ንቕፅል።

 ቁሩብ እስቲ ከተንፍስ 

ብጥሮታ ምስ ወፃእኹ ብዙሓት “አንጃ” ዲኻ ነይርካ? መፈንቅለ መንግስቲ ሓሲብኩም ዲኹም ነይርኹም ወ.ዘ.ተ. ኢሎም ይሓቱኒ ነይሮም፡፡ ናይ መጀመርያ መልሲ ብሕቶ እዩ ነይሩ ናይ አየናይ አንጃ? አነ ክሪኦ ከለኹ ክልተ አንጃ ነይሩ ሰለስተ አርባዕተ ተዝነብሩ እውን ንቡር እዩ፡፡ ዴሞክራሲ ህዋህው ዝዓሰሎ እንተኾይኑ፡፡ እቲ “ስዒረ” ኢሉ ዝፍክር አንጃ ይኹን እቲ ካብ ውድብ ዝወፀ አንጃ አባል አይነበርኩን፡፡ ንሓዲኡ እውን ዝድግፍ አይነበርኩን፡፡ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት አብ ክልቲኡ ኣንጃ ዝነበሩ ዓብዪ አክብሮትን እምነትን ነይሩኒ፡፡ ንሓድኦም ወጊነ ተዝነብር እወ ምበልኩ ምክንያት እውን ምገለፅኩ፡፡ 

ወተሃደር እኳ እንተነበርኩ ምስቲ ውድብ ዝነበረና ስነ-አእምሮአዊ ምትእስሳር ዝተበተኸ አይነበረን፡፡ አብ ናይ ዓዲ ፀጥታ እውን ሓደገኛ ምዃኑ ንርዳእ ስለዝነበርና ሓደ ኮይኖም እቲ ዘሎ ሽግር ክፈትሑ ንውትውት ነይርና፡፡ ጄነራል ፃድቃን ኣነን  ከም ኣባላት ናይቲ ማእኸላይ ኮማንድ ኣብቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ብምኽንያት እቲ ኩናት ዝነበረ ዋዒ (Heat) ከንዲ ዝኣክል ክነዘሓሕሎ ንፍትን ኔርና። እቲ ዉድብ ክከፋፈል የብሉን ካብ ዝብል ምስ ዝተፈላለዩ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ እዉን ነዘራረብ ነይርና።  አቶ ከልንፈ ገ/መድህንን አቶ ሙሉጌታ ገ/ሂወትን(ጫልቱ) እዮም ካብቲ ውድብ ላዕለዋይ አመራርሓ ናይቲ ከይዲ ሓደገኛነት ተረዲኦም ዓብዪ ስጉምቲ ወሲዶም፡፡ ሽዑ ዝፀሓፍዎ እንተትሪኡ ዝገርም እዩ፡፡

ብጭቡጥ ምስ ተከፋፍሉ ኣቶ ክንፈ እዩ ዝመስለኒ ንምንታይ ምስ ኣቶ ሙሉጌታ ኮይንና ዘይነተዓርቆም ይብለኒ ናይ መከላከያ መኮነን ብሙካነይ ዝህልዎ ሽግር ይገልፅ እሞ ን ኣቶ መለስ ኣፍቂድና ክነቅፀል ንሰማማዕ፡፡ ኣቶ መለስ ተቐቡሉዎ፡፡ ሰለስቴና ተኣኪብና ከመይ ክንቐርቦም ከምዘለና ምስተዘራረብና  በቲ ናይ እኒ ኣቶ ገብሩ ሕቶ መሰረት ጉባኤ ንምፅዋዕ  ዘክእል ፍኖተ ካርታ (Road Map) ኣዳሊና ሂብናዮም ። ብዘይካ ኣብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ኣብ ኩሉ ተሰማሚዖም ፡፡   ኣቶ መለስ “ንሕና ዓብላላይ ድምፂ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ስለዘለና ኣሰናዳዊት ሽማግለ  ሸውዓተ እነተኮይኖም ኣርባዕተ ካባና ክከውን ኣለዎ ኢሉ። ኣቶ ገብሩ ምስ ብፆተይ ክላዘበሉ ይብል፡፡ ድህሪ  ናይ መቐለ ኣኬባ እቲ መስርሕ ከቅፅል ኣይካኣለን

አብ እግረ መንገደይ ክንፈ ስለዘየለ ካብተን ንዘራረበለን ዝነበርና ሓንቲ ከካፍለኩም

ክንፈ ነዚ ውድብ ክተድሕን ኣለካ አብ ውልቅኻ ሓደጋ ዘምፅእ ስጉምቲ ወሲድካ ካብ ውድብ ተገሊለ ኢልካ ሕዚ ኸዓ ተመሊሰ ትብል አለኻ እንታይ ጉዱ ኢለዮ፡፡ ስማዕ ጆቤ በለ “ ውድብ ክነድሕን ኢልና ፅዒርና ኣይኮነልናን ተሰነጣጢቃ፡፡ ሕዚ ግን እቲ ጉዳይ ካብ ውድብ ሓሊፉ ሃገር አብ ሓደጋ ዘውድቅ ኩነታት ተፈጢሩ አሎ እቲ ኩነታት ከይሓምቅ እጃምና ክነወፊ አለና ኩነታት ምስተረጋግአ ሽዑ ዝመሰለኒ ክገብር እየ” ኢሉ፡፡ ንሱ ኣይፀንሐን ተቐጢፉ፡፡ ጫልቱ ዝተወሰነ ፀኒሑ ካብ ውድብ ብናይ ባዕሉ ድልየት ተሰናቢቱ፡፡

አብቲ ናይ 1993 ኩነታት ብዙሓት ሓሶታት እዮም ዝፍልፉሉ ነይሮም፡፡ ሓዲኡ መፈንቅለ መንግስት ዝበሃል ፅውፅዋይ እዩ፡፡ ንወታሃደራዊ አገዛዝአ ብሓይሊ ደምሲሱ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት አብ ምምስራት ዘሎ ሃገር መፈንቅለ መንግስት ክንሓስብ ዕብዳን እዩ ክሳብ ክንድኡ እውን ኣይደንቆርናን፡፡  ካብቶም ሽዑ ዝነበሩ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝሓሸ ብቅዓት ነይሩና ኢልና እውን አይንአምንን፡፡ አብ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ብመፈንቅለ መንግስት ንሓፂር ግዜ መራሂ ሃገር  ንሓደ ክልተ ዓመት ንምዃን ይከኣል ይኸውን ግን ንበዓልኻ ዘሕንቕ ተግባር ምዃኑ እውን ዝፍለጥ ኢዩ፡፡

እቲ ሓሶት ምስቲ ዝተስዓረ አንጃ ኮይንካ ክግበር ተሓሲቡ እዩ ዝበሃል፡፡አይተ ተወልደ ወ/ማርያም ግን ከምዚ እዩ ዝብል ነይሩ  “ሰራዊት አብዚ ፖለቲካዊ ጉዳያት ፈፂሙ ክአትው የብሉን ዘላቒ ፅልወኡ (precedent) ሓደገኛ እዩ ዝኾነ ይስዓር ምክልኻል ሀገር ኢዱ ከአትው የብሉን እዩ ነይሩ” ሕገ-መንግስቲ ምኽባር ማለት እዚ እዩ፡፡ አብ ዴሞክራሲያዊ ዘይኮነ ሃዋህው ግን የቕፀዓካ እዩ፡፡ ንምታይ እዚ ሓሶት ተፈጢሩ ተዋዓዊዑ ዝመስለኒ ግምት አሎ መረዳእታ እንተራጒድዎ ክፅሕፈሉ እየ፡፡

እቲ 1993 ፖለቲካዊ ቕልውላውን አፈታትሕኡን አብቲ እዋን እቲ ንዓይ ንምርዳእ ዘፀግም ነይሩ፡፡ እቲ መስተንክራዊ ዓወት ዘምፀአ ውድብ ፍርክስክስ ክብል እንከሎ ንምእማኑ አሸጊሩኒ፡፡ ናይ ዴሞክራሲ አተሓሳስባ ትሑት ምዃኑ አብቲ መሰረታዊ ሓደ ዝገብረካ ተኣኻኺብካ ስለዘይትሰርሕ ውፅኢቱ ከምቲ ትፈልጥዎ ኮይኑ እቲ ሽግርና ናይ ዴሞክራሲን ሙስናን እዩ ዝብል ሓይሊ ምስ ሰዓረ ብፀረ-ዴሞክራሲያዊ አካይዳን ሙስና ብዘተባብዕን መንገዲ ከይድዎ፡፡

ብጥሮታ ምስተገለልኩ እቲ መጀመርያ ዝወሰንክዎ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ናይ ንዴት (ቁጭት) ፖለቲካ (politics of anger) ዘይምስታፍ እዩ፡፡ ሽዑ ዝነበረ ፀርፍታት ምፅልማታት ብቴሌቪዥንን ሬድዮን አደንቊሩና ዝነበረ አፀያፊ ፕሮፖጋንዳ ትዝክርዎ ትኮኑ ኢኩም ገሊኦም ካብቲ ዝወፀ አንጃ እውን ብዝረኸብዎ ዓቕሚ ተመሳሳሊ ገይሮም፡፡ እቲ ካልአይ ዝወሰንክዎ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ተረዲእኻ መፍቲሒ ንምንዳይ ዓቕሚ የብለይን ስለዚ ክመሃር አለኒ ኢለ ወሲነ፡፡

ኣይ ኣፅቀጥናን ዓቅመናን ኩነታት ዝፈቕዶ ንገብር ኣለና፡፡

ናብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ፤ሕገ መንግስትን ዓለም-ለኸ ሕጊን ከፅንዕ ምእንታን ተፀምቢረ፡፡ እቲ ስሩዕ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኮነ ካብቶማ ደቂ ዒስራ ተምሃሮ መሓዙተይ ብዙሕ ተማሂረ፡፡ ናይ መጀመርያ ዲግሪ መመረቕየይ ውሳነ ኢትዮ-ኤርትራ ኮምሽን አብ ባድመ ነይሩ ዘይፍትሓዊ ፍርድን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸለልተኝነትን እውን አርእዩኒ፡፡

ኤርትራ ወሪራትና በሪ ባሕሪ ብዘይ ምውናና ኣብ ወደብ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ንብረት ወርሶምዎ እ ናብ ጅቡቲ ክነዘዋውር ዝነበረ ገልታዕታዕን ኩሉግዜ ዘሕርረኒ ነይሩ፡፡ ንካልአይ ዲግሪ መመረቕየውን አብ መሰላት ባሕሪ በሪ ሰሪሐ፡፡ መጀመርያ ፅንዓት ከም ናይ በሪ ባሕሪ ሉዓላዊ መሰል ዘይብላ (land locked) ሃገር እየ ጀሚረዮ ናይ ኤርትራ ነፃነት ሽዑ እውን ሕዚ እውን ይአምን እየ፡፡ ኢትዮጵያ ሉዑላዊ መሰል በሪ ባሕሪ የብላን ዝብል አብ ድንቁርናን ትዕቢትን ዝተበገሰ አተሓሳስባ እውን ነይሩኒ፡፡ እቲ ድንቁርና ኣብ ፍልጦ ታሪክን ዓለምለከ ሕጊ ዘይምስረት ፖሊቲካ በሕሪ በሪ ምሓዝና እዩ፡፡ ንደርጊ ስለዝሰዓረና ኩሉ ነገር እንፈልጥ ይመስለና፡፡ ነቶም ናይ ባሕሪ መሰል አለና ዝበሉ እነታይ ኢኩም ትብሉ ዘለኩም ኢልካ ሓሳቦም ምምርማር የለን ብድፉኑ ትምክሕተኛታት ምባል ይቀንዐና፡፡ እቲ ፅንዓት ግን ረቲዑኒ፤ክቅበሎ ተገዲደ፤ርእሲ ቀይረ ልዑላዊ መሰል ዝምልከት ፅሒፈ ተመሪቐ፡፡

ትምህርቲ እውን እናወሰኽኩሉ ንባዕለይ እውን ካብ ንዴትን ህልኽን ፅልኣትን ፖለቲካ አርሒቐ እቲ ናይ ሃገርና ኩነታት ግን የሕስበኒ ነይሩ፡፡ “ምስጋና ነቲ ተጋዲሉ ዘጋደለና ህዝቢ ትግራይ” ዝብል ፅሒፈ እቲ article ኣብ ናይ አቶ ገብሩ አስራት መፅሓፍ ዘለኒ ነቐፌታ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ዘለኒ መሰረታዊ ነቐፌታ ምስ ዴሞክራስን ትካላዊ አሰራርሓን አቕሪበ እየ፡፡ንጀነራል ሳሞራ ብምምጓስን ንኣቶ ገብሩ እናነቐፈን ስልጣን ደልዩ እዩ ዝፀሓፈ ኢሎምኒ፡፡ እቶም መንግስቲ ሰበ ስልጣን እውን አይፈተውዎን፡፡ ጀነራል ፃድቃን  “ዘናስሕ አይገበርናን” ብዝብል ናይ ህዝቢ ትግራይ ቃልሲ ንዘናሽዉ ኩሎም ነቲ ኸይዲ ብትኽክል ብምግላፅ ብቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሕበን ከምዝኮነ ገሊፁ፡፡ ትክክለኛ ሓሳብ አለኒ ኢልካ ዘዝመሰለካ ክትፅሕፍ እንከለኻ ብክልተ ሓዊ ከምትውቃዕ ፈሊጠ ዝፀሓፍክዎ ብምዃኑ አይገረመንን፡፡

ድሕሪ ሃገራዊ መረፃ 2007 እቲ ኩነታት ሃገርና ብዘይተገመተ ፍጥነት ይሓምቕ ከምዘሎ ዝርአ ምልክታት  ንዕዘብ ነይርና፡፡ አብ መስከረም 2008 100% መረፃ መስሐቕን ሓደገኛን እዩ ዘብል ዘማእኸለ ፅሒፈ፡፡ መልካም አስተዳደር እዩ ሽግርና ኢሎም ታሕተዎት ምዕፃድ ምስጀመሩ አይፋልኩምን ካብ ላዕሊ ደኣ ጀምሩ ብዝብል “የተገኘው ሰላም የሚያደፈርስ የአመራር ዘይቤ” ዝመሰለኒ ኣቅሪበ፡፡ ኢህወዴግ ኣብ መጨረሻ ዓመት ነሓሰ ካብ ላዕሊ ንጀምር ኢሎም፡፡ ሽግርና “ኪራይ አካብነት” እዩ፡፡ አብ ባዕልና ምስ ኣፅረና ምስ ህዝቢ ኮይንና ክንቃለስ ኢና በሉ ኢህወዴግ፡፡ ማንታ ናይ ሃገርና መሰረታዊ ሽግር ድኽነትን ዴሞክራሲን እዩ  ኪራይ አካብነት ካብኡ እዩ ዝፍልፍል እንደገና በይንኹም እትፈትሕዎ አይኮነን፡፡ ሕገ-መንግስቲ ብምክባር ዴሞከራሲያዊ ህዋሀው ብምጥንካር ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ማህበራትን ብዘሳትፍ መንገዲ ክከውን ኣለዎ ኢለ ጺሒፈ፡፡

እዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው ቀስብቀስ ሱር ክሰድድ እንተሎ ምክልኻል ሃገር ከም ትካላን ገለ ውልቀ ሰባትን ፖለቲካዊ ድልየት ከምዘሎ ዘርኢ ምልክታት ክሪኦ እንከለኹ ካብ ዘለኒ ልምድን ትምህርትን “ደርግነት” ከይጥጥዕ ተጠንቀቑ ምባል ግዴታ ምዃኑ አሚነ ይፅሕፍ ነይረ፡፡

ነቀፌታ ጥራይ ግን አይነበረን አብዚ 25 ዓመታት ሃገረን ኣመዝጊባቶ ዘላ ሰላምን ልምዓትን ብፍላይ አብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ብመሪሕነት ኢህወደግ መፂኡ ዘሎ ሃገራዊ ለውጢ እናድነቅኩ ይበል እናበልኩ እየ ዝፅሕፍ ነይረ፡፡ አነ እንተሞይተ ዋላ ዳንዴር አይትብቆላ ዝብል አተሓሳስባ ስለዘይበለይ፡፡

ብዝኾነ ናይ ሃገርና ኩነታት የገድሰና እዩ፡፡ ዝኾነ ፀቕጢ ካብ ክልቲኡ ፅንፈኛታት ይሃልው ክንፅሕፍ ኢና፡፡ እቲ ኩነታት ርግዕ ኢልካ ናይ ኩሉ ዓቕሚ አዋዲድካ ዴሞክራስያዊ ሃዋህው ብምስፋሕ ጥራይ እዩ ዝፍታሕ፡፡