ዝተረጋገአን ዝማዕበለን ስርዓት ምህናፅ…….

 

ብናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ መሰረት፤ ህዝቢ መመሓደርቱ ብምምራፅ መንግስቲ ይምስርት፡፡ መንግስቲ ህዝቡ ዘመሓደረሉ ሕጊ የውፅእን የፈፅምን፡፡ ህዝቢ መመሓደርቱ ክመርፅ እንከሎ መንግስቲ ብዘውፅኦ ሕጊ ነገር ግን ባዕሉ (ህዝቢ) ዝኣመነሉ ወይ ዝተስማመዐሉ ሕገ-መንግስቲ ንክመሓደር እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝቢ (ነሓሰ 2008 ዓ.ም የተባበሩ መንግስታት ብዘውፅኦ መረዳእታ መሰረት) ዘለዋ ሃገር ከምምዃና መጠን ዝተፈላለየ ባህልን ናይ ዕብየት ደረጃን ዘለዎም ህዘቢታት ዝሓቖፈት ሃገር እያ፡፡ ስለዝኾነ ድማ፤ ህዝቢታት ወይ ድማ ግለ ሰባት ሕጊ ዝጥሕሱ፤ ዓቕሚ ብምንኣስ ክኸውን ይኽእል ወይ ድማ ስለሃገሮምን ሕገ መንግስቶምን ግዲ ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ምክንያቱ ኣብ ሃገርና ኣሽንኳይዶ ተራ ህዝቢ፤ ፖለቲካዊ መራሕቲ እውን  ናይ ህዝቢ ንቑሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ፤ ኣብ ናይ ሃገር ዕብየት ዘለዎ ዕዙዝ ተራ፤ ኩሎም ሓደ ዓይነት ግንዛበ ከምዘይብሎም ካብ በቢኸባቢና ዘለው ኣመሓደርቲ ምዕዛብ ይከኣል እዩ፡፡

ብኻሊእ ወገን ድማ፤ ዝተወሰኑ ገለ ዓመፀኛታት እናፈለጡ ሕጊ ዝጥሕሱ ከምዘለው ጥርጥር የብሉን፡፡  ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ ብሓይሊ ተጠቀምቲ ክኾኑ ዝደልዩ ግለ ሰባት ወይ ውሑድ ጉጅለታት እንተሃሊዮም፤ አይፋልኩምን! ይብሎም፡፡ እምቢ ብሕገ መንግስቲ አይንግዛእን ዝብሉ ዓመፀኛታት እንተኾይኖም መንግስቲ ስኽፍ እንተይበለ ስጉምቲ ክወስደሎም ይግባእ፡፡ ምክንያቱ ልዕሊ 100 ሚ ዝኸውን ናይዛ ሀገር ህዝቢ ሂወቱ በዛ ሕገ መንግስቲ እዚኣ ስለእትውሰን ውሑዳት ወይ ድማ ግለ ሰባት ብዘይ አገባብ እንተተጠቒሙምላ እቲ ካልእ ክጉዳእ ስለዝኽእል እዩ፡፡ በቲ በለ በቲ ማንም ዜጋ እየ በሃላይ ግለ ሰብ ወይድማ ህዝቢ ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ፡፡ መንግስቲ ድማ ሕገ መንግስቲ መሰረት ብምግባር ንሕቶ ህዝቢ መልሲ ይህብን ይኸልእን፡፡

ቕድሚኡ ግን መንግስቲ ንሕገ መንግስቶምን ሃገሮምን ብዝምልከት ዝተፈላለየ ናይ ኣታሓሳስባን ኣረኣእያን ዘለዎም ህዝቢታት ብቕንዕና ብምምሃርን ብምስልጣንን እንተተኻኢሉ ናብ ሓደ ደረጃ፤ እንተዘይኮይኑ ድማ ናብ ተቐራራቢ ደረጃ ንክመፁ ወይ ንክበፅሑ ምግባር ምፅዓር የድሊ እዩ፡፡ ስለዚ፤ ህዝቢ ስለሕገ መንግስቲን ሃገርን ፅቡቕ ግንዛበ እንተሃሊዎ ዝጥየቐን ዘይጥየቕን ፈልዩ ይፈልጥ ጥራሕ እንተይኮነስ ንሕገ መንግስቱን ሃገሩን ባዕሉ ዋርድያ ይኸውን፡፡ ናይ ሐንቲ ሃገር ኹለ-መዳይ ዕብየት፤ ኣብ ፖለቲካዊ ዕብየታ (Political development) ዝተደረኸ ምዃኑ ጥርጥር የለን፡፡ ፖለቲካዊ ዕብየት ናይታ ሃገር ድማ ኣብ ናይ ህዝቢ ንቑሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝተደረኸ እዩ፡፡ ስለዚ ፖለቲካዊ ዕብየት ናይ ሐንቲ ሃገር ክረጋገፅ ዝኽእል ናይ ህዝቢ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ክፈቕዱ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ትካላት (political institutions) እንተሃሊዮም እዮም፡፡ Political development depends on political participation whereas political participation depends on institutionalization. Political development cannot be achieved without effective institutions allowing mass participation ይብል፤ እቲ ውሩይ ናይ ፖለቲካ ሳይንስ ምሁር ሳሙኤል ፒ. ሃንቲንግተን (Samuel P. Huntington, 1965).

ኣብ ሓንቲ ሃገር፤ ዝተረጋገአ፣ ምዕቡልን ዓቕሚ ዘለዎን ስርዓት ወይ ፖለቲካል ሲስተም (political system) ንክህሉ፤ ስለስተ ወሰንቲ ነገራት ከምዘድልዩ ይእመን:: The demands of the people, capabilities of the political system, and decisions of the political elites give an outcome which shows the development process or decaying process in the political system (Tasneem Sikander, 2015). ናይ ህዝቢ ድሌታት (Demands)፤ ኣብቲ political institution ወይ ፖለቲካል ሲስተም ፅዕንቶ ብምፍጣር፤ ህልውንኡን ዓቕሙን ይፈታተኖ፡፡ ህዝቢ ድሌታቱ እንተዘይኣንፀባሪቁ፤ ናይ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካል ሲስተም ህልውንኡን ደረጃ ዓቕሙን ንምፍላጥን ንምግምጋምን የፀግም፡፡ ምክንያቱ ህልውንኡን ዓቕሙን ክፍለጥን ክግምገምን ዝከኣል ንናይ ህዝቢ ድሌታት ወይ ሕቶታት ብዝምልሶ ደረጃ እዩ፡፡ ከምኡ እውን ናይ ህዝቢ ድሌታትን ሕቶታትን ዓቕሙን ጥንካረኡን ንከሕይል ይሕግዞ፡፡ ንናይ ህዝቢ ድሌታትን ሕቶታትን ከማልእን ክምልስን ዝኽእል  ዝወሃቡ ውሳነታት (decisions) ንናይ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካል ሲስተም ካልኣይ መለክዒ ይኸውን፡፡ በብደረጀኦም ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ሰበ ስልጣን፤ ብቑዓት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ክምዘኑ ዝኽእሉ ብዝህብዎ ውሳነታት እዩ፡፡ ሳልሳይ ናይ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካል ሲስተም ዕብየቱ ክልካዕ ዝኽእል፤ ሓይሊ ሰብን ቁሳዊ ሃፍትታት ናይ ኣጠቓቕማ ክእለቱ (extracting material and human resources)፣ ሕግን ናይ ምቁፅፃር ስርዓትን ኣፈፃፅማ (ናይ ምሕላው) ዓቕሙን (maintenance of prevailing laws and regulations) ካልኦትን እዮም፡፡ ስለዚ ናይ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካል ሲስተም እናዓበየ ድዩ ወይ እናበስበሰ ይኸይድ ኣሎ? ዝብል በዞም ኣብ ላዕሊ ዝገለፅናዮም ስለስተ ነገራት ምፍታሽ ይከኣል፡፡

ኣብዚ ከልዕሎ ዝደሊ ካሊእ ምስ እዚ ዝተሓሓዝ ጉዳይ፤ ሓንቲ ሃገር ኣብ ጠንካራ/ምዕቡል ዝኾነ ፖለቲካዊ ትካላት (political institutions) ዝተመስረተ ዝተረጋገአን ዝማዕበለን ፖለቲካዊ ስርዓት (political order) “ኣለዋ” ክንብል እንተኾይንና፤ ከምእኒ ዓባይ ብሪታንያን ሰሜን ኣሜሪካን ናይ ህዝቢ ንቑሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝፈቅድ እንተኾይኑ እዩ፡፡ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ንምህናፅ፤ ንመብዛሕቲአን ሃገራት ፈታኒ ከምዝነበረን ክሳዕ ሕጂ ውን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት እናፈተነን ከምዝርከብን ናይ ፖለቲካ ሳይንስ ምሁራት ይሕብሩ፡፡ ኣብ ሃገርና ህዝቢ.፤ ምስ ዲሞክራሲ፣ ግዕዚናን ሰናይ ምምሕዳርን ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት፤ ተተሓሒዙ ኣብቲ ስርዓት ፀገም ከምዘሎ እንትገልፅ፤ መራሕቲ (መንግስቲ) እቲ ፀገም ከምዘሎ ብምእማን፤ ናይ መንግስቲ ፀገም ዘይኮነስ፤ ዝተረጋገአን ዝማዕበለን ስርዓት ንምህናፅ፤ ብባህሪኡ ግዜ ስለዘድልዩ እዩ እንትብሉ ይስምዑ፡፡ ዝተረጋገአን ዝማዕበለን ስርዓት ንምህናፅ ግዜ ከምዘድልዮ ሕቶ የብሉን፡፡ ነገር ግን እቲ ስርዓት ኣብ ትክክለኛ ግዚኡ ንኽዓቢ፤ ናይ ፖለቲካ መራሕትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብቕንዕናን ብተሓታታይነትን ክሰርሑ አለዎም፡፡ Political Institutions result from the slow interaction of conscious effort and existing culture (Samuel P. Huntington, 1965). ህዝቢ እናተወደበ ዝጠቕሞ ስርዓት ንምምስራት ቀዳማይ ተዋሳኢ ክኸውን አለዎ፡፡ ኣብዛ ሃገር፤ ህዝብን መንግስትን በብፅሒቶም ኣልዒሎም ብትዕግስትን ክኽፈል ዝኽእል ዋጋ ተኸፊሉን፤ ዝተረጋገአን ምዕቡል ዝኾነ ስርዓት እንተዘይተመስሪቱ፤ ከምቲ ሕዚ ዘንፀላሉ ዘሎ ኹነታት እንተቐፂሉ፤ ሸታሕ ኢልና ናብ ዝነበርናዮ ጀቕጀቕ ምውሓጥና ኣይተርፍን፡፡       

 

ስነ-ስርዓት ዝጎደሎም ናይ ህዝቢ ሕቶታት

ለምዘበን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ሕቶታት ብምልዓል ናይ ህዝቢታት ኣንፀርፅሮት ይስተውዓል አሎ፡፡ ኣግባብነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየግድስ ኩሎም ንናይ ባዕሎም መልዐሊ (መንቀሊ) ኔርዎም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኣካይደኦም ስነ-ስርዓት ስለዘይነበሮን ስለዝጎደሎን ግን ናይ ሰብ ሂወትን ንብረትን ይበልዕ ኣሎ፡፡ አብዚ ከልዕሎ ዝደሊ ግን ናይ ጎንደር1 ጎንፂ እዩ፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጭቆና ብምፅንሑ ብዙሓት ሕቶታት ከምዝነበርዎ ይፍለጥ እዩ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ከምዝተመለሱ ዝካሓድ ኣይኮነን፡፡ ናይ ጎንደርን ከባቢኣን ህዝቢ እውን ከምኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ካልኦት ኣሕዋቱን ጎረባብቱን ህዝቢታት ዝተመለሰሎም ሕቶታት፤ ከምዝተመለስሉን ከምኡ እውን ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዝረኸብዎ ከምዘይሰኣነን ግሁድ እዩ፡፡ መንግስቲ ውን ንሕቶታቱ ምምላሱ ግዴታኡ እዩ፤ ሕጋዊ ሕቶታት እስካዕ ዝኾኑ፡፡ ኣብ ጎንደር ገለ ዝተወሰኑ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ኣብ2008 ዓ.ም ኣብ ወርሒታት ሰነ፣ ሓምለን ናሓሰን ዘለዐልዎ ሕቶታት ግን ብዕሊ ናይ ቆልዓዊ ባህሪ ዝተላበሰ ኔሩ፡፡

እቶም ሕቶታት፤ 1) ሕገ-መንግስቲ ዝፃብኡን ሕጋዊ ዘይኮኑን እዮም፡፡ ሕጋዊ ንዘይኮኑ ሕቶታት ድማ መንግስቲ አወንታዊ ምላሽ ክህበሎም አይኽእልን፡፡ ካብቶም ሕቶታት ንኣብነት ንምጥቃስ፤ ሀ) “የህ.ወ.ሐ.ት የበላይነት ይቁም” ዝብል ጭርሖ በቲ ሰልፈኛ ይጭራሕ ስለዝወዓለ ካብቶም ሕቶታት ሓደ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል፡፡ የህ.ወ.ሓ.ት የበላይነት ይቁም ዝብል ጭርሖ ካብ ናይ ግሊ ፅልኢትን ስሰዕን ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን፡፡ ናይ ህ.ወ.ሓ.ት ልዕልና (የህ.ወ.ሐ.ት የበላይነት) ኣብ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ኔሩ፡፡ ሕቶ ዘልዕል እንተኔሩ ሽዑ ከልዕል ኔርዎ፤ ኣብቲ እዋን እቲ “ናይ ህ.ወ.ሓ.ት ልዕልና ጠጠው ይበል”፤ “ንሕና ንቕድሚት ክንስለፍ አለና” ኢሉ ዝቃወም አይነበረን፡፡ ኩሉ ደድሕሪ ህ.ወ.ሓ.ት ይስዕብ ኔሩ፡፡ ምክንያቱ ኲናት ሂወት ስለዝበልዕ፡፡ ድሕሪ 1983 ዓ.ም ግን ህ.ወ.ሓ.ት ዓብላላይ ዝኾነላ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ የላን፤ ኣሽንኳይዶ ብልዑል ስልጣን ደረጃ፤ ኣብቲ ተራ ወታደር እውን ሸለል ኣይተባህለን፡፡ እቲ ን17 ዓመት ከርተት ዝበለ ተጋዳላይ እውን ንምምጥጣን ተባሂሉ ናብታ ዝፈረሰት ጎጅኡ ተመሊሱ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ሰፈራታት ሓዱሽ ጎጆ ንከጣየሹ ተገዲዶም እዮም፡፡ ግን ድሌት ናይቲ ተጋዳላይ እውን ነቲ ሕዝቢ ካብ ጭቆና ንምንጋፍ እምበር ካሊእ ዝፅበዮ ስለዘይነበረ ነታ ዝፈረሰት ጎጅኡ ኣጣይሹ ኣብ ናብርኡ ሕጉስ ክኸውን ከኢሉ እዩ፡፡ በ1980ታት ናይ ሓላፍነትን ተራ ወታደራትን ዝተገበረ ናይ ብሄር ምምጥጣን፤ ካብ ፅሬት ናብ ቁፅሪ ዝተሳገረሉ ግዜ እንትኾን፤ ነቲ ሓያልን ንፉዕን ኣዳኺምካ፤ ነቲ ድኹም ኣብ ዘይዓቕሙ ንክሽድን ምግባር ናይ ዝሓለፈ ሕማቕ ታሪክ ምድጋም ኔሩ፡፡ ብመሰረቱ እቲ ተግባር ዝኹነን ኣይኮነን፤ ቅዱስ ተግባር እዩ፡፡ ምክኣኣልን ሓቢርካ ምንባርን ዘምህር ተግባር እዩ፡፡ መላፍንትኻን መተዓምምትኻን ምርኣይ ግን ናይ ግድን ኔሩ፡፡ “እንተተዛረብካዮ ይጎድል” ኾይኑና እምበር ናይ 1993 ዓ.ም ናይ ህ.ወ.ሓት ምፍንጫል ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ዘኽፈሎን ንድሕሪት ሸታሕ ክብል ዝገበሮን ካሊእ ኹነት ኔሩ፡፡

ካሊእ ክሕሰበሉ ዝነበሮ፤ እሺ! ህ.ወ.ሓ.ት ዋላ ዓብላላይ እዩ እንበል! “ተበደልና” በሃልቲ ሕቶኦም ቅንዕና እንተዝህልዎ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጎንደርን ከባቢኣን ገበን እንተተፈፀመ እኳ፤ ተጠያቒ ክኸውን ዝግበኦ ኢህወዴግ እዩ፤ ህ.ወ.ሐ.ት በይኑ መንግስቲ እስካዕ ዘይመስረተ፡፡ ናይ ቀረባ ተሓተቲ “አለውና” ኢሎም ዝሓስቡ እንተኾይኖም ድማ፤ እቲ መጀመርያ ተጠያቒ ክኸውን ዝነበሮ እቲ ንህዝቢ ጎንደርን ከባቢኣን ዝወከለን ተዓብላላይን ዝበልዎን እዩ፡፡ ብትሕዝትኡ እኳ ዝተፈለየ እንተኾነ፤ ቕድሚ ናይ ጎንደር ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ትግራይ፤ ኣምባስነይቲ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ናይ ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ኔሩ፡፡ ናይ ወረዳ ኣምባስነይቲ ህዝቢ ብመጀመርያ ተሓታቲ ዝገበሮም ግን ንዝመረፆምን ንናይ ወረድኡ ተወከልቲ ኔሩ፡፡ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝንፀባረቕ ዝነበረ ጭርሖ እውን ንዝመረፆምን ንዝወከሎምን ካብታ እዋን እቲኣ ጀሚሩ ውክልንኡ ከምዘልዐለ ይገልፅ እምበር ንካልኦት ወድባት ኣየወንጀለን፡፡ ናይ ጎንደር ሰልፈኛታት ንምንታይ ከም ናይ ወረዳ ኣምባስነይቲ ህዝቢ ምሕሳብ ዘይከኣለ? እኳ እንተዘይተባህለ፤ ንምንታይ ካብ ህዝቢ ወረዳ ኣምባስነይቲ ዘይተማህረ? ምባል ግን ይከአል፡፡

ለ) “ወልቃይት የጎንደር ነው” ዝብል ጭርሖ እውን ኣብቲ ናይ ሰልፊ መዓልቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ 2008 ዓ.ም መሉእ ዓመት ቀንዲ ሕቶኦም ኔሩ፡፡ ገለ ዝተወሰኑ ጉጅለ ናይ ጎንደርን ከባቢኣን ነበርቲ ዝኾኑ፤ ‘ወልቃይት ናይ ጎንደር እዩ’ (“ወልቃይት የጎንደር ነው”) ዝብል ቖልዓዊ ሕቶ፤ ንመንግስቲ ዘፀገምን ህዝቢ ወልቃይት ምስ ህዝቢ ጎንደር ከቀሓሕር ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ህዝቢታት እውን ዘለኻኽምን ከተዓዛዝብ ዘኽእልን ተግባር እዩ፡፡ እቲ በዓል ዋና፤ ናይ ወልቃይት ህዝቢ “ወልቃይት ናይ ወልቀቶት እምበር ናይ ጎንደር ኣይኮነን” እንትብል፤ እዞም ሰባት እዚኦም ግን “ኣይኮነን ንሕና ኢና እንፈልጠካ ወልቃይት ናይ ጎንደር እዩ” ይብሉ አለው፡፡ ወልቃይት ናይ ጎንደር ድዩ? ወይ ናይ ወልቀቶት? ወይ ድማ ናይ ተጋሩ? ዝብል ሕቶ ትርጉም ዘለዎ ሕቶ እኳ እንተዘይኮነ፤ ሓታቲ ክኸውን ዝኽእል ግን ናይ ጎንደር ህዝቢ ዘይኮነስ ናይ ወልቃይት ህዝቢ ባዕሉ ክኸውን ኔርዎ፡፡

2) ብትክክለኛ ወይ ብሰላማዊ መገዲ አይተኸወኑን፡፡ እቶም ዝተለዓሉ ሕቶታት ሕጋዊ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኖም፤ ኣቀራርበኦም ወይ ዝተኸደሎም መንገዲ ትክክለኛ ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ኩሉ ዝኸፈአን ሚዛኑ ዝሰሓተን ኔሩ፡፡ “ወልቃይት ናይ ጎንደር እዩ”፤ “ናይ ህ.ወ.ሐ.ት ልዕልና ጠጠው ይበል” ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንምንዳይ፤ ትግራዋይ ምጥላፍን ምቅታልን ከምኡ እውን ኣብ ጎንደር ዝነብር ትግራዋይ ምቕታልን ምስ ንብረቱን ገዝኡን ብሓዊ ምቅፃልን ትክክለኛ መንገዲታት አይኮኑን ጥራሕ ዘይኮነስ ጥዑይ ኣእምሮ ንዘለዎ ሰብ መሕፈርትን ዘይንቡር ተግባራትን እዮም፡፡ ኣብ ጎንደር ዝነብር ትግራዋይ እኮ ጎንደረታይ እዩ፡፡ ስለወልቃይት ዝምልከቶ ነገር የለን፤ ግብሪ ዝኸፍል ንናይ ጎንደር ምምሕዳር እዩ፤ ካብ ህዝቢ ጎንደር ዝተፈለየ ካብ ህ.ወ.ሐ.ት ዝረኽቦ ጥቕሚ እውን የለን፤ ናይ ጎንደር ህዝቢ እንተተጠቒሙ ዝጥቀም፤ እንተተጎዲኡ ክጉዳእ ዝኽእል ህዝቢ እዩ፡፡

እምበኣርከስ እዞም ሕቶ ዘለዓሉ ውሑዳት ህዝቢ ወይ ግለ ሰባት፤ ናይ ኣተሓሳስባ ደረጀኦም አገዲድዎም እምበር ትርጉም ዘይብሉ ሕቶታት እናለዓልካ ኣብ ልዕሊ ሓውካን ጎረቤትካን ግፍዒ ምፍፃም ግዚኡ ኣይነበረን፡፡ ጭዋዳን ሓይሊን ከምዘለዎም ንምርአይ እንተኾይኑ፤ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ኔሩ፤ ኣብ ልዕሊ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኹሉ ኣንፈታት ዘፃድፈና ዘሎ ናይ ወፃኢ ፀላኢ፣ ድኽነትን ድንቁርናን ክዕርፍዎ ኔርዎም፡፡ ፀላኢኻ ዘይምፍላጥን ብዘይ ምንም ምክንያት ኣብ ጎደና እምኒ እናደብረኻን እናተሳበርካን ምኻድን ግን ዕሽነት እዩ፤ ወይ ከዓ ናይ ዕብዳን መግለፂ እዩ፡፡ ወይ ድማ ‘መርገም’ያ ወላዲስ እንተዘይቀተለ የዕብርብር’ ከምዝበሃል ምስላ ወለዲ፤ ቋረኛ ካሳ ጥፍኣት ንዘይነበሮ ወገኑ ንዝኾነ ህዝቢ፤ ህፃናት እንከይበለ ኣረጋውያን ኣብ መኻዘን እናዳጎነ ብሓዊ የቃፅልን ይርሽንን ስለዝነበረ፤ ናይ ቋረኛ ካሳ ትውልዲ፤ መርገም እናዕበርበሮ ይኸውን፡፡ ወይ ድማ ንወገንካን ሓውካን ብዘይ ምክንያት “ቕተል፤ ጨፍጭፍ” ዝብል ብዘርኢ ዝመሓላለፍ ሕማም ይኸውን እሞ ካብ ወላዲኦም ቋረኛ ካሳ ዝወረስዎ ሕማም ክኸውን ይኽእል፡፡ 

እዞም ግለ ሰባት እዚኦም ሕገ መንግስቲ ንክጥሕሱን ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ንክፍፅሙን ዝገበሮም ካብ ዘይበሰለ አታሕሳስባ፣ ጥዑይ ካብ ዘይኮነ አረኣእያን ገደብ ዘይብሉ ግላዊ ድሌትን ስሰዐን ዝተበገሰ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፤ መንግስቲ እውን ስኑ ስለዘርአዮም ይመስል፡፡ ገና ኣብ መፈለምትኡ ትኽክለኛ ንዘይኮነ ሕቶ ግቡእ ምላሽ ረኺቡ ብትክክለኛ መንገዲ ክእለ ኔርዎ፡፡ እዞም ዓመፀኛታት እዚኦም መጀመርያ “ወልቃይት ናይ ጎንደር እዩ” ንዝብል ሕቶ ምስ ውልቀ ሰባት ወይ ህዝቢ ምንም ዘተሓሓዝ ዘይብሉ ጉዳይ፤ ንደቂ ሰባት እናዓፈኑ ብገንዘብ እናተደራደሩ በኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ እንትቕበሉን፤ ከምኡውን በኣሰቃቂ ኩነታት እናቐተሉ ኣብ ህዝቢ ሽብር እንትፈጥሩን፤ ህዝቢ እውን “ስጉምቲ ይወሰደሎም” እንትብል እንከሎ፤ መንግስቲ ተመጣጣኒ ዝኾነ ስጉምቲ እንተዝወስድ ኔሩ እቲ ፀገም ከምዚ ኢሉ አፉ እናገፍሐ ኣይመኸደን ኔሩ፡፡

ኹሉ ወላዲ ንውላዱ ኣብ ፅቡቕን ምችውን ኹነታት ኽነብረሉ ስለዝደሊ፤ ብውልቅኡ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ንቐፃሊ ሂወቱ ንኸመቻችወሉ ላዕልን ታሕትን ከምዝብል ግሁድ እዩ፡፡ እዚ ድሌት እዚ፤ ኣብ ዘይተረጋግአትን ዘይማዕበለትን ሃገር ክሳኻዕ ኣይኽእልን፤ ንግዚኡ እንተተሳኽዐ እውን ቀፃልነት ኣይህልዎን፤ ፈራሳይ እዩ፡፡ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዝተኣማመኑ ስለሃገር ዘይግደሱ አለው፡፡ እዚኦም ናይ ኣእምሮ ሕሙማት እዮም ኢየ ዝብሎም፡፡ ሓደ በቲ ዝነብርሉ ሃፍታም ዓድን ህዝብን ቀኒኦም፤ ንዓዶም ከምኡ ክምነዩን ክሰርሑን ኔርዎም፡፡ ካልኣይ ካብቶም ምስኦም ዝነብሩ ጥዑያት ብፍቕሪ ዓዶም ዝዓብዱን፤ ብሓደ ግዜ ሃገሮም ኣሜሪካን ኣውሮፓን ንኽትኾነሎም ዝምነዩን ዝፅዕሩን ክምሃሩ ኔርዎም፡፡ ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ብወንጭፍ መርዚ እናበተኑ፤ ናይዛ ሃገር ቀንዲ ፀገም ፈጠርቲ ተባሂሎም ዝሕመዩ እውን ንሳቶም እዮም ፡፡ እኒ ቢልጌት ሃገሮም ኣቕኒዖም፤ ኣብ ሃገርና ዘሎ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ናይ ፀገም መሸጋገሪ ዝኾነ ገመድ ንምብጣስ ገንዘብ እንተፍስሱ ንርኢ ኣለና፤ ኣሜሪካ ዝነብር ኢትዮጵያዊ ኣብ ናይ እኒ ቢልጌት ፋውሪካታት እናሸቀለ ኣብ መንጎ ዝተፋላለዩ ብሔረ ሰባት ናይ መበኣኣሲ ሓዊ እናለኮሰ፤ ነቲ ናይ ፀገም ገመድ ንከይብጠስ መርጐዲ፤ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንክተሓላለፍ ድማ መቐፀሊ ዝኸውን ገንዘብ ይልእኽ፡፡

ወዲ ሰብ ካብ እንስሳ ዝፍልየሎም ውሑዳት መለክዒታት ሓደ፤ ዝስርሖ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካዊን ታሪኩ ከምኡ እውን ዝነበሮ ባህላውን ሃይማኖታዊን እሴታቱ (ክብርታቱ) እናመዝገበ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ስለዝገብር እዩ፡፡ ስለዚ ሓደ ወለዶ ካብ ኣያታቱ ዝተቐበሎ ታሪክ ኣፅኒዑ ከም መሳልል ክጥቀመሉ አለዎ፡፡ ናይቲ ሕሉፍ ወለዶ ዝነበርዎ ፀገማት ፈልዩ ምስ ተረደአ፤ እቶም ፀገማት ኣስተኻኺሉን ኣሪሙን (ኣብ ናይ ባዕሉ ግዜ)፤ ካብ ኣያታቱ ዝተቐበሎ ታሪክን ናይ ባዕሉ ሓዱሽ ፈጠራን ፍልጠትን ወሲኹ ንቐፃሊ ወለዶ ከመሓላልፍ ኣለዎ፡፡ ወዲ ሰብ ከምዚ ክገብር ዘኽኣሎ ናይ ምሕሳብን ምዝካርን ዓቐሙን ክእለቱን እዩ፡፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ታሪክ ምቅብባል እንተሃሊዩ፤ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተለወጠን ዝተመሓየሸን አታሓሳስባን ኣመለኻኽታን ዘለዎ ማሕበረ-ሰብ እናተፈጠረ ይኸይድ፡፡ ነዚ እውን እዩ ኣብ ዓለምና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝተለወጠን ዝተመሓየሸን ማሕበረ-ሰብ ዝፍጠር፡፡ ናይቲ ለውጢ ቅልጣፈ ግን ብናይታ ሃገር ህዝቢ ኹለ መዳይ ናይ ስራሕ ውፅኢትን ንሃገሩ ብዘለዎ ኣታሓሳስባን ኣመለኻኽታን ክውሰን ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ እንስሳት ግን ከምዚ ዓይነት ለውጥን ምምሕያሽን ኣይስተውዓልን፡፡ ንኣብነት ቕድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝነበረ ናይ አንበሳን ነብርን ናይ አነባብራ ኣገባብ ምስ ኣብዚ ሎሚ እዋን ዘሎ ናይ አንበሳን ነብርን አነባብራ ኣገባብ ዋላ ሓንቲ ፍልልይ የብሉን፡፡ ምክንያቱ እንስሳ ናይ ምሕሳብ ዓቕሙ ብጣዕሚ ትሑት እዩ ወይ ድማ በደመ ነብስን ንጥቕሚ ጥራሕ ስለዝሓስብ እዩ፡፡ 

ኣብ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ክ/ዘበናት ንቀፃሊ ወለዶ ሂወት ከይተሓሰበ ኣብ መንጎ ክልላት፣ ወረዳታት፣ ጣብያታትን ስድራ ቤታትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዝተፋላለዩ ማሕበረ ሰባትን ማዕለያ ዘይብሎም ግጭታትን ኲናትን ብምግባር፣ ቅጥዒ ዘይብሉ ምቅትታልን ምዝርራፍን ከምባህሊ ጌርዎ ፀኒሑ እዩ፡፡ እዚ ናይ ሕሉፍ ወለዶታት ግጭትን ንንባዕልኻ ምጭርራስን፤ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢታትን ብሄር ብሄረ ሰባት ሓቢርካ ካብ ምንባር ክዓግቶም ኣይከአለን፡፡ ናይታ ሃገር ዕብየት ግን ንክ/ዘበናት ንድሕሪት ሸታታሕ ንክብል ብምግባር እዚ ናይዚ ሕዚ ወለዶ እውን ግዳይ ክኽውን ኽኢሉ እዩ፡፡ ብናይ ጎንደር ገለ ዝተወሰኑ ሰባት መሪሕነት፤ እዚ ወለዶ እዚ ናይ ኣያታቱ ንንባዕልኻ ምቅትታልን ምዝርራፍን ዝኾነ ሕሕማቑ ታሪክ ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ እንከይኣረመን እንከይኣስተኻኸለን መሊሱ ንክነብሮ ሽውጥ ትንዕ ይብል ኣሎ፡፡ ነገር ግን ታሪክ ክንደይ ዝኣክል መምሀሪ ምዃኑ፤ “the study of history is best medicine for a sick mind” ብምባል Titus Livius ገሊፅዎ እዩ፡፡  ካብ ናይ አያታት ታሪኽ ዘይምምሃርን ንጥቕሚ ጥራሕ ምሕሳብን ናይ እንስሳት መግለፂ ካብ ኮነ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ጎንደር ንመዓልታዊ ጥቕሚ ጥራሕ ብምሕሳብ ገደብ ብዘይብሉ ስሰዐ ተሸኒፎም፤ ኣሕዋቶምን ጎረባብቶምን ዝቐትሉ ዘለው ግለ ሰባት፤ ካብ አንስሳ  ፈሊኻ ምርኣዮም የፀግም እዩ፡፡

መጠቓለሊ

ብሓፈሻ፤ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ፤ ነግ ፈረግ ዘይብል ስርዓት ንምምስራት፤ ህዝቢ ዕዙዝ ተራ አለዎ፡፡ መራሕቲ ከቀያየሩ ዝኽእሉን ሓለፍትን እዮም፡፡ ሕግታት እውን ክመሓየሹ ይኽእሉ እዮም፡፡ ህዝብን ሃገርን ግን ነበርቲ እዮም፡፡ ስለዚ ነባራይ ዝኾነ፣ መሰረት ዘለዎን ዝተረጋግአን ስርዓት ምምስራት፤ ናይ ህዝቢ ናይ ብሕቱ እዩ፤ ንማንም ዝገድፎ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ Prime ministers, presidents, and legislators may come and go, laws may be modified, but it is the underlying rules by which societies organize themselves that define a political order (Fukuyama F., 2014). ስለዚ ህዝቢ ምስ መንግስቲ እናተሃላለኸ ናይ ባዕሉ ንብረትን ሃፍት ከብርስን ከዕንውን የብሉን፡፡ ብተወሳኺ እዚ ወለዶ እዚ፤ ናይቲ መፃኢ ወለዶ ዕድል ኣብ ምውሳን ዓብይ ግደ ስለዘለዎ፤ ኣስተውዒልካ ምስጓም ይሓትት፡፡ እንተዘይኮይኑ፤ ፅባሕ ብዝማዕበሉ ዓድታት ህዝቢታት ብዝዋረዱን ብድኽነት ተደቚሶም መለዕሊ ብዝሰኣኑን ደቁ መንፈሱ ክውቀስ እዩ፡፡ መንግስቲ እውን ካብ ህዝቢ ዝተቐበሎ ሓላፍነት ንፖለተካዊ መኽሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቕንዕና ሓላፍነቱ ክዋፃእ አለዎ፡፡ መንግስቲ፤ “ሃገር ኣላትና” ዝብሉ ተረከብቲ ሃገር ክኾን ዝኽእል ዜጋ ምስ ወለዲ ብምትሕብባር ከፍሪ አለዎ፡፡ ሃገር ክርከብ ዝኽእል ወለዶ ንምፍራይ ናይ ስነ-ዜጋ ትምህርቲ እኹል ንከይኸውን ይኽእል እዩ፡፡ መንግስቲ፤ ካብ ስነ-ዜጋ ትምህርቲ (ስነ-ምግባር) ብተወሳኺ፤ ንዜጋታት ብፍላይ ንመንእሰያት ካልኦት ሜላታት ብምጥቃም፤ ዜጋ ምስ ሃገሩ ዝጠበቐ ምትእስሳር ብምፍጣር፤ ንሃገሩ ባዕሉ ጠጠው ኢሉ ዋርድያ ንክኸውን ኣብ ምግባር ዕዙዝ ተራ ክፃወት ኣለዎ፡፡

ገ/መድህን ሮምሃ (ዶ/ር)

ዲላ ዩኒቨርስቲ

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.