መምህር ፍስሃ ሃይሉ (ኣክሱም ዩኒቨርስቲ)
ኣብ ማሕበራዊ ሚዳያ እሞ ብተጋሩ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ሓሳብ ኣሎ፡፡ እዙይ እውን ትግራይ ወናኒት ታሪክ 3000 ዘመን ዝብል እዩ፡፡ መጀመርያ እዚ ሓሳብ መሰረቱ እንታይ እዩ? ዕለሙኡኸ? ንምንተይከ ከምኡ ይበሃል? ኢለ ንከሓትትን መረዳእታ ክእልሽን ተገዲደ፡፡
መበገሲ እዚ ቀመር ማለት 3000 ታሪክ

ሃፀይ ምልሊክ ወዲ ሶሎሞን ስለ ዝኾነ ፀፍሒ ታሪክና ካብ ኢዩ ዝጅምር ዝብል ይመስል፡፡ እዚ ኣረዳድኣ መሰረቱ እንታይ እዩ ኢልና እንተሓተትና ክብረነገስት ዝብል መልሲ ንረክብ፡፡ ግርም ኢልና ክብረነገስት እንተመርመርና ንግስተ ሳባ መበል 52 ንግስቲ ከምዝኾነት ማለት ቅድሚ ንግስተ ሳባ 51 ነገስታት ከምዝ ነገሱ ክብረ ነገስት ባዕሉ ይዝርዝር፡፡ ነገር ግን ዜና መዋእል እዞም ነገስታት ኣብ ክብረ ነገስት እኳ እንተተሰነደ ታሪክና 3000 ዘመን እዩ ስለ እንብል ታሪክ በቲ እዋን ዝነበረ ህዝብን እቶም 51 ነገስታትን ቆሪፅና ስለ ዝገደፍናዮ ኣብ ታሪክና ኣይተጠቓለለን፡፡ ስለዚ ክልተ መሰረታዊ ጌጋታት ከም ዝተፈፀሙ ንርዳእ፡፡
1 ቅድሚ ንግስተ ሳባ ዝነበሩ ዜና መዋእል 51 ነገስታት ኣኽሱምን ዘመን ንግስተ ሳባ ባዕላን ማለት ዘበን መንግስትነት 52 ነገስታት ቆሪፅካ ብምድርባይ ካብ ወዳ ሃፀይ ምልሊክ ታሪክ ምቕማር ኢሳይነሳዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይ ምኽነያታዊ እውን እዩ፡፡ ታሪክ ከም ታሪክ ካብ መጀመርያ ክጅምር እናተገበኦ ካብ ማእኸል ምጅማር ዕላማ አዚ ኣካይዳ ግልፂ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ንሕና ዜና መዋእል እዞም 52 ነገስታት ኣኽሱም ዘየጠቓልል ቁፅሪ ደጋጊምና ምረቋሕና ጌጋ እምበር ታሪክነቱ ኣይተርኣየንን፡፡
2 ሃፀይ ምልሊክ ወራሴ ምንግስት ክኸውን ዝበቕዐ ወዲ ንግስተ ሳባ ብምዃኑ እምበር ወዲ ንጉስ ሶሎሞን ከም ዝኸፐነ ኣፍና ደም ክሳብ ዝተፍእ ዋላ እንተመደርና ወረቐትን ግዜን ነበኽን እምበር ነቲ ዘንብብ ሰብ ግን ክነእምን ኣይንኽእልን፡፡ ምኽንያቱ ንግስተ ሳባ ካብ ኣቦኣ ኣጋቦስ ማለት መበል 51 ንጉስ ኣኽሱም ዝነበረ እያ መንግስትነት ዘተረከበት፡፡ ስለዚ ኣኽሱማውያን ንኣማኢት ዓመታት ዝመስረትዎ ዝተረጋገአን ተኸታታልን፣ ትካላዊ ቅርፂን ዘለዎ ስነ መንግስቶም ገዲፎም በቲ እዋን 120 ዓመት ዘቑፀረ ማለት 3 ነገስታት ሳኦል፣ ዳዊት ሶሎሞን ዘንገሰ መንግስቲ እስራኤል ካብ ሶሎሞን ካብ ዝውለድ ምልሊክ መጀመሪ መንግስቲ ኣኽሱም ገይሮም ይቕበልዎ እዮም ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ብስሩ እውን ነገስታት ኣኽሱም ካብ ዝገደፉልና ፅሑፋት እምኒን ገንዘብን ተመኪሑ ወዲ ሶሎሞን እየ ዝበለ ዋለ ሓደ ንጉስ የለን፡፡ እዚ ሶሎሞናዊ ዝብል ፖለቲካ መሬት ክሕዝ ዝኸኣለ ካብ ዛጉየ ምንግስትነት ንምምንጣል ዝተቐየሰ ፖለቲካዊ ሽርሒ ኮይኑ ኮፕቲክ ግብፂ ብኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘደብረ ፅላልሽ ኣቢላ ብዘካየደቶ መሰለቸውን ሃይማኖት መሰረት ዝገበረን ስብከት እዩ፡፡ ከም ሓቂ እንተዝኾን እማ ብነበረያ ነበረ ዘይኮነስ ካብ ኣኽሱም ብቐጥታ ዝውለዱ ነገስታት ዛጉየ እዮም፡፡ ናብ ርሑቕ እንተይ ከድና ኣፍቶም ካብ ከውሒ ወቒሮም ዝሃነፅዎም መዳርግቲ ኣልቦ ኣብያተ ክርስትያናት ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ መሻኹቲ እቶም ኣብያተ ክርስትያናት ኣሎ፡፡
ምንግስቲ ኣኽሱም ከም ሽባኻ ቆሪፅካ ብምትካል ዝፀደቐ ኦም ዘይኮነስ ወራሲ ምንግስቲ ዳዕማት ከም ዝኾነ ስነ ፅሑፍ ክልቲኦም መንግስታት ብቑዕ ምስክር እዩ፡፡ መንግስቲ ዳዕማት ድማ መቐፀልታ መንግስቲ ፑንት ከምዝኾነ ይእመን፡፡ ጂኦ ሂስትሪ እዚ እንነብረሉ መልከኣምድሪ መሰረት ብምግባር ስረመሰረት ታሪክናን ቀመር ታርክናን ንምፍላጥ ፑንትን መንግስቲ ፑንትን ምፅናዕ ወድዓዊ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ትግራይ ኣካል ፑንት ስለ ዝነበረት፡፡ ታሪክ እንትበሃል መረዳእታ ስለ ዘኾነ ብዝነበሮም ንግዳዊ ርክብ ብዛዕባ ፑንት መረዳእታ ዝገደፉልና ጥንቲ ግብፃውያን አዮም፡፡ ጥንታዊ ታሪክና ንምፍላጥ ማለት ኣብ ላዕላይ ከም ዝረአናዮ 3000 ዓመት ተቖሪፁ ዝመፀ ብምኳኑ እጅብሽያን ሄሮግሎፊክስ ምፅናዕ ፅባሕ ክንሰርሖ ይሕደር ዝበሃል ስራሕ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ዋላኳ ከም ወለድና እምኒ ወቒርና ወይ ካብ ቆርበት ብራና ኣዳሊና ታሪክና ኣይንፅሓፍ እዚ ዘመን ዝጠልቦ መረዳእታ እጅብሽያን ሄሮግሎፊክስ ብዛዕባ ፑንት ብምፅናዕን ብምትንታንን ታሪክና ክንቕምር ምኽንያታዊ እዩ፡፡
ትግራይን ተጋሩን ኣብ ጥንቲ ሄሮግሎፊክስ ግብፂ
ናፍቲ ቀንዲ ወራይና ቅድሚ ምኻደይ እዚ ርአሲ ከፅንዕ ዝኸኣልኩሉ ምኽንያት ዶክተር ሃብተማርያም ኣሰፋ የኢትዮጵያ ታሪክ ጥያቄዎች እና ባህሎች ኣብ ዝብል መፅሓፎም (1986) ተጋሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ጥንታውያን ማሕበረሰብ ከምዝኾኑ ኣብ ፅሑፍ ጥንቲ ግብፃውያን መረዳእታ ከም ዘሎ ንተክለፃድቅ መኩርያ ብምርቋሕ ይገልፁ፡፡ ንዶክተር ሃፍተማርያም ብምምስጋን እዚ መረዳእታ ቀልዲ ከምዘይኮነ ይርደአኒ እሞ መፅሓፍ ትክለፃድቅ መኩርያ ብመውካስ ከረጋግፅ የንቦ፡፡ ኮይኑ ግን ዶክተር ሃብተማርያም ተጋሩ ኢሎም ዘቐመጥዎ ተክለፃድቅ መኩርያ ኣብ መፅሓፉ ትግሬ ማለት ካብ ብዙሕ ቁፅሪ ተጋሩ ናብ ሰብ ድዩ ስም ቦታ ዘይፈሊ ትገሬ ኢሉ ስለ ዘቐመጦ እዚ ኣገላልፃ ኣገላልፃ ጥንቲ ግብፃውያን ከም ዘይኮነ ርዱእ ገይረ፡፡ ምኽንያቱ ስነ ልሳን ዘይተምሃረ ማነት በዓል ሞያ ዘይኮነ ከምቲ ራእሲ ንግዲ ገብረሂወት ባይከዳይ ዝበልዎ እንታይ እመስሕ እንታይ እድረር እናበለ ዝፅሕፍ ብዙሕ ቁፅርን ነፀላ ቁፅርን ቃላት ኣብ ታሪካዊ ስነ ልሳን እሞ ይትረፍ ኣብ ታሪክ ዘለዎ ዕቱብ ረብሓ ኣይርደኦን፡፡ ስለዚ ፅሑፍ ጥንቲ ግብፃውያን ሄሮግሎፊክስ ከም ዘለ ብጥሪኡ ምርካብ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ጉዕዞ ኣለሻ መረዳእታ ቀፂሉ፡፡ ብዙይ መሰረት ስም ማሕበረ ሰብን ቦታታት ትግራይን ሓማሴንን ኣብ ዜና መዋእል ንግስቲ ሃትሸፕሱትን (1501-1479 ዓ/ዓ) ንጉስ ቱትሞሲስ III (1479-1447 ዓ/ዓ) (Jackson 1958: 16) ተከረወን አረከረከን ብፅሑፍ ሄሮግሎፊክሰ ብጥሪኡ ከም ዘሎ ብግልፂ ሰኒዱ ኣቅሚጥዎ ኣሎ፡፡ ስለዚ ስራሕና እዚ መረዳእታ ብመሰረት ስልቲ ታሪካዊን ንፅፅራውን ስነ ልሳን ምትንታን ይኸውን፡፡ እዚ ፅሑፍ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ቁፅሪ 2 ኣብ ዘሐተሞ ተደሪኹ ዝቐረበ ስለ ዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ ንኣቋት ከምስግን እፈቱ፡፡
ናፍቲ ዋና ውራይና እንትንምለስ ታሪካዊ ስነ ልሳን ከም ዘነግረና ግምታዊ መናበቢ ብምውሳኽ እንረኽቦ ሓበሬታ ምስ ተነበብቲ እንትነፃፀር ብጣዕሚ ውሑድ እዩ፡፡ ስለዚ መሰረት ትኹረትና ኣብ መናበብቲ ዘይኮነስ ኣብ ተነበብቲ እዩ፡፡ኣብ ዝርርብ ወይ spoken language ግን ልክዕ ከም ማንም ቋንቋ እጅፕሽያን እውን መናበብቲ ፍረ ድምፂ ከም ነበርዎ ኣየተሓትትን፡፡ ኮይኑ ግና ኣየአኖም መናበብቲ ፍረ ድምፂ ነይሮም ዝብል ግን ብዜካ ˂ W ˃ ን ˂ Y ˃ ካሊእ ግን መካትዒ እዩ፡፡ ˂ W ˃ = [U] and ˂ Y ˃ = [I] (Loprieno 1995: 14). ˂ W ˃ and ˂ I ˃ are graphemes (Grapheme is a basic minimal unit of writing), but [U] and [I] are phonemes ( Phoneme is a basic unit of sound), ተጋሩ ዝብል ስም ማሕበረሰብ ኣብ ዜና መዋእል ንግስቲ ሃትሸፕሱትን (1501-1479 BC) ንጉስ ቱትሞሲስን III (1479-1447 BC) እጅፕሽያን ሄሮግሎፊክሰ ብኸመይ ኣገባብ ተመዝጉቡ ይርከብ እዩ እቲ ሕቶ?
1 ብናትና ፊደል ተጋሩ ማለት እዩ፡፡ ከመይ ኢሉ?
እዚ ሄሮግሎፊክሰ ከም ዝስዕብ ይትንትንን ይትርጎምን:
ዝውክሎ ‘ተ’, ዝውክሎ ‘ከʔ’ (ብሓፂሩ ከ ማለት እዩ, ተወሳኺ ˂ʔ˃ ብፅሑፍ

እምበር ኣይንበብን) , = ከወ (ጥንቲ ግብፃውያን ፍረድምፂ ‘ረ’ ብዙሕ ቁፅሪ ምኳኑ ንምርዳእ ሰለስተ ግዜ ይፅሕፍዎ (Junge 2001), ( In Egyptian Hieroglyphics, this symbol, refers to foreign country) እዞም ዝተፈላለዩ ፍረ ድምፅታት ከም ዝነበርዎ እንትንጠምሮም (ተ + ከ + ረወ = ተከረወ). ቀፃላይ ሕቶ ከመይ ኢሉ ተከረወ፣ ተጋሩ ኮይኑ ዝብል እዩ? እዞም ክልተ ቃላት ተመሳሰልቲ እዮም እምበር ሓደ ግን ኣይኮኑን፡፡ እቲ ኣፈላላይ ንምርኣይ ኣፍቶም ቃላት ዘለዉ ተነበብቲ ፍረድምፂ ጥራሕ ወሲድና ነነፃፅሮም, In Egyptian hieroglyphics to express foreign names, proper names, two signs represent a consonant (Junge 2001: 41-45) ፡፡
ተ-ከ-ረ-ወ vis-à-vis ተ-ገ-ረ-U
ተ = ተ
ከ ≠ ገ
ረ = ረ
˂ ወ˃ = [U]
እቲ ኣፈላላይ ኣብ ‘ከ’ ን ‘ገ’ን ጥራሕ እዩ፡፡ ኣብ መንጎ ፍረድምፅታት ኣፈላላይ ንምርኣይ እንጥቀመሎም መዐቀኒታት ድምፂ ዝፍጠረሉ ቦታ (place of articulation)፣ ኣፈጣጥራ ድምፂ(manner of articulation)፣ ፍልፍል ኣየርን (initiation) ነዝርን (voicing) እዮም (Catford 1994: 17-22)፡፡ በዚ መሰረት ክልቲኦም /ከ/ ን /ገ/ ላንቃውያን፣ ዕጉታትን ሳንባውያንን እዮም፡፡ ብኻሊእ ገፅ ‘ከ’ ኢነዛሪ እንትኸውን ‘ገ’ ግን ነዛሪ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ኣፈላላይ ኣብ ንዝረት እዩ፡፡ እዞም ድምፀ ዝርርብ ካፍቶም ኣርባዕተ መዐቀኒ ብሰለስተ ማዕረ ስለ ዝኾኑ ከ ≈ ገ እዮም እንተልና ኣመክንያዊ ክልስ ሓሳብ እዩ፡፡ ካብዙይ እንርደኦ ቁም ነገር እዞም ፍረድምፅታት ብጣዕሚ ተመሳሰልቲ እዮም፡፡ ምኽንያቱ ካፍቶም ኣርባዕተ መዐቀንታት ኣብ ሰለስተ ማዕረ ስለ ዝኾኑ ባህሪ እዞም ድምፅታት 75 ፐርሰንት ሓደ አዩ፡፡ ስለዚ እቲ ኣፈላላይ 25 ፐርሰንት ስለዝኾነ ኣብ ከይዲ ምቕያር ፍረድምፂ አጋጢሙ እዩ እንተልና ብስነ ልሳን ባህርያዊ እዩ፡፡ እቲ ኣንፈት ምቕያር ድምፂ ድማ ካብ ኢነዛሪ ናብ ነዛሪ እንተ ኾይኑ ብስነ ልሳን ትርጉም ኣለዎ፡፡ ስለዚ እቲ ከይዲ ብተፅዕኖ መናበብቲ ተካሩ ˃ ተጋሩ (ከ > ገ) ይኸውን፡፡ ኣብ ዓውዲ ስነ ልሳን ኣብ ካሊእ ክፍሊ ዓለም እውን ተመሳሳሊ ከይዲታት ኣለዉ፡፡ ንኣብነት ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ: the word ‘seconde’ is pronounced [segond] (ከ > ገ). እዙይ ዓይነታዊ ኣብነት እዩ ን ተካሩ ˃ ተጋሩ (ከ > ገ). ላቲን pacatum > (*) pagado Spanish (ከ > ገ) ‘pacified, pleased’ (Hock 1991:81). ተወሳኺ ኣብነት ንርአ፡፡

ግእዝ ትግርኛ
ፋሲካ ፋሲጋ (ከ > ገ)
ጣልያን ትግርኛ
ካዛ ገዛ (ከ > ገ)
ስለዚ ተካሩ ˃ ተጋሩ

‘ወ’ ናብ ዝብል ፍረድምፂ ክንመፅ ከለና መጀመርያ ቋንቁኡ ትግራይ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ትግራዋ-ይ (ተባዕታይ) ትግራወ-ይቲ (ኣንስታይ) ይበሃሉ፡፡ ካብዙይ እንርድኦ ጥንቲ ግብፃውያን ዝመዝገብዎ (ተከረወ) ‘ወ’ ዝብል ፍረድምፂ ጥንታዊ ምኳኑ ንርዳእ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ቋንቋታት ኣፍሮ ሰሜቲክ ቦኽሪ ቃል ወይ ሱር ቃል ሳልሳይ መደብ ነፀላ ቁፅሪ ተባዕታይ ፀታ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝእመን፡፡ በዚ መሰረት ነፀላ ቁፅሪ ሳልሳይ መደብ ትግራዋይ (-ወ-)ን ትግራወይቲ (-ወ-)ን ጥንታውነቱ ሓልዩ ስለ እንረኽቦ ጥታውነቱ ነቕ ዘይብል ፅኑዕ ይገብሮ፡፡
ቀፃሊ ሕቶ ነፀላ ቁፅሪ ትግራወ- ምስ ሄሮግሎፊክስ ብምንፅፃር ብኸመይ ተጋሩ ኮይኑ? ዝብል ይኸውን፡፡ ጥንታዊ ወይ ኦርቶዶክስ ኣመሰራርታ ብዙሕ ቁፅሪ ጥሙር ግእዝ (ግዕዝን ትግራይን) ድህረ ጥብቆ ፅግዕተኛ ምእላድ ብምውሳኽ ዘይኮነስ ኣብ ማእኸል እቲ ስም መናበቢ ብምውሳኽ እዩ (Bender 1976: 111)፡፡
1.1 ካ ˃ ጋ ከይዲ ውህደት ድምፂ
መቄዶንያዊ ግሪክ ዝኾነ እስክንድር ዓብዪ ካብ 333 ክሳብ 323 ዓ/ዓ ካብ ግሪክ ተላዒሉ ንግብፂ ሓዊሱ ክሳብ ህንዲ መስሪትዎ ናብ ዝነበረ ገፊሕ ግዝኣት ንምፅንባር ሰሜን አትዮጵያ (ሐዚ ትግራይን ኤርትራን) ኣብ ዝወረረሉ እዋን ተጋሩ መኪቶም ስለዝመለስዎ እቲ ዝነበረ ኩነታት ዜና እስክንድር ኣብ ዝበሃል ብግእዝ ዝተፅሓፈ ጥንታዊ ብራና መፅሓፍ ገፅ 107 ብምጥቃስ ልሳነወርቅ ገብረጊዮርጊስ ከም ዝስዕብ ይቕምጥዎ፡፡ “እስክንድር … ንጉስ እየሸሸ በጀግንነታቸው እየተደነቀ በግርማቸው እየተርበደበደ ትግረ ተጋሩ ኣላቸው፡፡ የነብር ነብሮች ማለት ነው (2000: 181)፡፡”
ኣብ ላዕላይ ከም ዝተገለፀ ተጋሩ ዝብል ስም ቅድሚ እስክንድር ዓብዪ ልዕሊ 1150 ዕድመ ኣለዎ፡፡ እዙይ ከም ዘሎ ኮይኑ እስክንድር ዓብዪ ምስቲ ዝገጠሞ መኸተ ኣነፃፂሩ ነቲ ኩነታት ንምግላፅ ኣናብር ነብርታት ኢሉ ሓሳቡ ገሊፁ አሎ፡፡ እዞም ህዝቢ መን ይበሃሉ ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ ተጋሩ ይበሃሉ ኢሎም እንትምልስሉ ብቋንቋ ዮናኒ ወይ ግሪክ ቲግሪስ ማለት ነብሪ ማለት ስለ ዝኾነ እቲ ዝገጠሞ መኸተን ዝሰምዖ ቃል ተመሳሳሊ ስለ ዝኾኖ ኣናብር ነብሪ ኢልዎም፡፡
ናብ ዋና ሓሳብና እንትንምለስ ካብዙይ እንወስዶ ቁም ነገር ከ ˃ ገ ከይዲ ውህደት ድምፂ መዓዝ ተኻይዱ ወይ ተመዓራርዩ እንተ ኢልና ቅድሚ እስክንድር ዓብዪ እዩ እቲ መልሲ፡፡ ስለዚ ብዛዕባ ከይዲ ውህደት ድምፂ ከ ˃ ገ እቲ ሕቶ ተመሊሱ ኣሎ፡፡
ምንም እኳ ናይዚ ምፅናዕቲ ተበግሶ ኣይኹን ተጋሩ ማለት እንታይ ማለት እዩ ኢልና እንተሓቲትና ኣብዚ ሐዚ እዋን መልሱ ትግራይ ተዛረብቲ ማሕበረሰብ እዩ፡፡ ጥንታዊ ወይ ብመፈጠር ቃል ትርጉም ነብሪ ማለት ድዩ ወይ ካሊእ እዩ ንዝብል ኣነ ከምዝርድአንን ከም እተዓዘብክዎን ናይ ብዙሓት ማሕበረሰባት ዓለም ብተወዳደርቶም ዘይኮነስ ባዕሎም ንባዕሎም ዝሃብዎ ስም እተፈላለያ ሃገራት እተፈላለየ ቋንቋ ከም ዝኾነ ርዱእ ኮይኑ ሰብ ዝብል ትርጉም እዩ፡፡ ስለዚ ኣነ ዝመስለኒ ብመሰረት መፈጠር ቃል ትርጉም ትግራዋይ ማለት ቅኑዕ ሰብ ተጋሩ ማለት ቅኑዓት ሰባት ይመስለኒ፡፡ ብካላእ ቋንቋ ግን ካሊእ ትርጉም ክወሃቦ ይኽእል፡፡ ንኣብነት ኣብ ላዕላይ ከም ዝረአናዮ ብቋንቋ ግሪክ ትግራይ ተጋሩ ማለት ነብሪ ኣናብር ማለት ከምዝኾነ ብመረዳእታ ርኢና ኢና፡፡ እቲ ገዛኢ ሕቶ ተጋሩ ንባዕሎም እንታይ ኢሎም ይትርጉምዎ እንተኢልናን ተገረወ፣ ተገረየ ዝብሉ መናበቢ ዘይብሎም ቃላት እንተፅኒዕናዮም ቅኑዕ ሰብ ማለት ከም ዝኾኑ ንርዳእ፡፡ እዙይ ጥንታዊን ስነ ልሳናዊን ትርጉሙ እዩ እምበር ዘይቅኑዕ ትግራዋይ ግን የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ ከም ኣብ ማንም ሕብረተ ሰብ ዓለም ኣብ ተጋሩ እውን ቅኑዕ ኣሎ ዘይቅኑዕ ኣሎ፡፡
2 ሓማሱ

ኮንት ሮዚኒ (Conti Rossini 1928: 48) ከም ዝገለፆ ብጣዕሚ ጥንታዊ ዝኾኑ መረዳእታታት ግሪክ ከባቢ አዶሊስ ኮራቾ ይብልዎ፡፡ ነበርቲ እቲ ደሴት ድማ ኡተን ይብልዎም፡፡ እዙይ ብዛዕባ ደሴት ዳህላክ ክንሓስብ ይገብረና፡፡ ሓማሱ ምስ ሓማሴን ዝተተሓሓዘ እዩ ምባል ወድዓዊ እዩ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ቃል ብቅጥታ ስለ ዝመሳሰል፡፡ ተካሩ ፀለምቲ ህዝቢ ኩሳ ኮይኖም ቱትሞሲስ ኣብ ዜና መዋእሉ ዝጠቐሶም እዮም፡፡ እዙይ ብኢትዮጵያዊ ቋንቋ ትግራይ ብዙሕ ቁፅሪ ተጋሩ ማለት እዩ ይብል (Translated from Italian to English by Graziano Sava (Dr) in Addis Ababa University Department of Linguistics and then Fisseha Hailu in Axum University translated into Tigrinya)፡፡

ተጋሩ ኣብ ላዕላይ ስለ ዝተገለፀ ኣይምለሶን ግን ኣብ ክልቲኦም ነገስታት ንግስቲ ሃትሸፕሱትን (1501-1479 ዓ/ዓ) ንጉስ ቱትሞሲስ III (1479-1447 ዓ/ዓ) ዜና መዋእል ከም እተኸተበ ልቢ ማለት የድሊ፡፡ ከም ጥንቲ ግብፃውያን ሐመሰወ ክብሉ ከለዉ ምናልባት ሓማሴን ዝባሃል ዓዲ ንምባል ክኾኑ ይኽእሉ ወይ እቲ ማሕበረሰብ ማለቶም እዮም ኢልካ ክልስ ሓሳብ ምንፃፍ ምኽንያታዊ እዩ፡፡ ኣብዚ ክነልዕሎ ዝግበአና ሕቶ እዚ ቃል ጥሙር ግዕዝ ድዩ ኣይኮነን? ዝብል እዩ፡፡ እዚ ቃል ጥሙር ግዕዝ ይመስል ምኽንያቱ ኣብ ትግርኛ ሱር ቃል (ሐ-መ-ሰ) ኣሎ፡፡ ካብዚ ሱር ቃል ሓመሰን ሓመሱን ዝብሎ ቃላት ንረክብ ወይ ንምስርት (Kane 2000: 173)፡፡ እዚ ቦታ ማለት ሓማሴን ምስ ባሕረ ቂሓት ወይ ቀይሕ ባሕሪ ስለ ዝዳቦብ ስራሕቲ ማእቶት እቲ ማሕበረሰብ እውን ምስቲ ባሕሪ ስለ ዝተሓሓዝ ማለት ምዝፋፍ ዓሳ፣ መጉዓዝያ ማይ፣ ሰደድ ምልኻኽን ጠለብ ምቕባልን እቲ ስያመ እውን ብታሪካውነቱ ምስቲ ስራሕቲ ማይ ዝተተሓሓዘ ይመስል፡፡ ምኽንያቱ እቶም ዝተገለፁ ማእቶታዊ ስራሕቲ ባሕሪ ንምፍፃም ሓመሳ ምኽኣል (swimming exercise) ገዛኢ ኩነት እዩ፡፡ ብኻሊእ ኣገላልፃ እቲ ማሕበረ ሰብ maritime society ስለ ዝነበረ እዚ ስም እውን ምስቲ ባሕሪ ዝተተሓሓዘ እዩ ምባል ምኽንያታዊ እዩ፡፡. ኣብ ሓድሓደ መፃሕፍቲ ከም ዝረአኽዎ ሓማሴን ዝብል ቃል ሓማት ሑሴን ካብ ዝብል ዝመፀ እዩ ዝብል ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና እዚ ሓሳብ ምስቲ ኣብ ኣኽሱም ዝተረኸበ ፅሑፍ ሃፀይ ኢዛና ኣይሰማማዕን፡፡ ፅሑፍ ጥንቲ ግብፃውያን ፅሑፍ ሃፀይ ኢዛናን ግን ማዕረ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ክፍተት ግዜ እውን ስለ ዘለዎ መረዳእታ ጥንቲ ግብፃውያን ምውሳድ ምኽንያታዊ ስለ ዝኾነ ሓማሴን ካብ ሓመሰ ‘to swim’ ሱር ቃል ዝመፀ እዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል፡፡ ብተወሳኺ ኣብዚ ቋንቋ ትግራይ ዝዝረበሉ መልከ ኣምድሪ ሓውዝዬን፣ ሰቅዬን፣ ተምቤን ወዘተ ምስ ሓማሴን ተመሳሳሊ ስነ ምእላድ ዘለዎም ኣስማት ስለ ዝኾኑ እዚ ስለ ልሳናዊ በኣታ ጥሙር ግዕዝ (ግዕዝ ወትግራይ) እዩ፡፡
3. ኣቲ (ATY)

ንጉስ ፑንት በሪሁን በዓልቲ ቤቱ ኣቲን ምስ ጥንቲ ግብፃውያን ኣብ ባሕሪ ቀይሕ ብምኽንያት ንግዲ እንት ራኽቡ ዝርኢ ስእሊ
Sources Wells (1969: 241) Baikie (1929: 71)
The king of Punt Parihu Parihu
The wife of the king Ati Aty

እዚ ኣብ ላዕላይ ቀሪቡ ዘኒሀ መረዳእታ ንምትንታን ብስም በዓልቲ ቤት ንጉስ ፑንት ‘Ati’ ንጀምር፡፡ ቋንቋ ጥንቲ ግብፃውያን መናበቢ ስለዘይነበሮ Ati ክፀሓፍ ዘለዎ ከም ʔTY እዩ፡፡ መናበቢ እንትውሰኾ ʔati ብትግርኛ ኣቲ ይኸውን፡፡ ብመሰረት ጥንቲ ግብፃውያን ኣፀሓሕፋ ˂ y ˃ = [i] By Devanagari Principle, grapheme ‘y’ is equal to phoneme ‘i’ (Loprienno 1995: 14). እዚኣቶም ማዕረ እዮም፡፡ እዚ ከይዲ ኣብ ጥንቲ ግብፃውያን ሰዋስው ሕጋውን ባህርያውን እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብትግርኛ እውን (Littman n.d: 15) ከምኡ እዩ፡፡

እዞም ኣብ ላዕላይ ዝረአናዮም ስርዓተ ፅሕፈትን (grapheme) ፍረድምፅን (phoneme) ብምውሳድ ብዙሓት ሕቶታት ምልዓል ይከኣል፡፡ ንኣብነት ብምንታይ ምኽንያት እዚ ቃል ኢትዮፒክ ወይ ትግርኛ ክኸውን ይኽእል? መልከኣ ምድሪ ፑንት ኣብ ግምት ብምእታው ብኸመይ ኢትዮፒክ ወይ ትግርኛ ይኸውን? ቅድም ኢሉ ነዚ ዘፅነዐ በዓል ሞያ ስነ ልሳን ከም ዝበሎ፤ “The old Semitic 2nd person pronouns (ʼanta/ʼatta, ʼanti/ʼatti, ʼantum/ʼattum, ʼantən/ʼattən) are used as vocatives: ʼatta tämähari [tämhari] ‘O student!” (Kogan 1997: 429). ካብዙይ ከም እንርደኦ ትግርኛ እዞም ጥንታውያን በኣታታት ስነ ልሳን ካብ ኣቦ ኣፍሮሰሜትክ (Proto-Afro-Semitic) ከም ዝወረሶም እዩ፡፡

ትግርኛ ብተፈጥርኡ ኣብ ኣስማት ኣፈላላይ ፆታን ቁፅርን ይገብር፡፡ ኣብ ላዕላይ ከም ዝተገለፀ ኣታ ተምሃሪ እንተልና ተባዕታይ እንትኸውን ኣቲ ተምሃሪት ድማ ኣንስተይቲ እያ፡፡ ሓድሓደ ምሁራት ንትግርኛ ብቐረባ ዘይፈልጥዎ፣ ኣቲ ክንዲ ስም እዩ ብምባል ኣብ ካልኣይ መደብ ነፀላ ቁፅሪ ኣንስታይ ፀታ ይምድብዎ፡፡ ኮይኑ ግና ክንዲ ስም ትግርኛ ካልኣይ መደብ ነፀላ ቁፅሪ፣ ኣንስታይ ፀታ ኣቲ ዘይኮነስ ንስኺ እዩ (Kogan 1997: 429)፡፡ ንኣብነት ሓደ ሰብኣይ ንበዓልቲ ገዝኡ ኣቲ በይዛኺ ድራርና ሃብና እንተይሉ፡፡ ኣብዚ ምሉእ ሓሳብ ኣቲ ብንስኺ ኣይትካእን፡፡ ብኻሊእ መዳይ ንስኺ እንዲኺ ኣብ ኣኽሱም ዝነበርኪ ኢሉ እንተሓቲቱ? ኣብዚ ምሉእ ሓሳብ ንስኺ ብኣቲ ኣይትካእን፡፡ ንኣብነት ኣነ ኣብ ዝዓበኹሉ ከባቢ ወለዲ ውላዶም እናተጎድኡ ዘይዓብዩ እንተኾይኖም፣ ቀፂላ ዝተወለደት ቆልዓ ጓለንስተይቲ እንተኾይና ክትዓቤሎም ምእንቲ ኣቲ ኢሎም ስም የውፅኡላ፡፡ ስለዚ ኣቲ ንኣብ ጥቓና ዘላ ኣንስተይቲ ፀታ ከም ስም መፀውዒ እንጥቀመሉ እዩ፡፡

ቀፃሊ ሕቶ መበቆል ወይ ሱር ቃል ኣቲ እንታይ እዩ? ምናልባት ኣቲ ሱሩ ካብ ኣቦ ኣፍሮሰሜቲከ ኮይኑ ብትግርኛ ዝተዓቀበ እዩ ምባል ምኽንያታዊ እየ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ትግርኛ ኣቲን ኣታን (vocatives and proper names)፣ ኣትንን ኣቱምን (polite forms of females and males respectively) ኣብ ላዕላይ ከም ዝረአናዮ ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ብስፍሓት እንጥቅምሎም ቃላት እዮም፡፡ ስለዚ ኣቲ ኣፍሮሰሜቲክ ኮይኑ ካብ ዘበን እኒእኒ ጀሚሩ ብትርግኛ ዝተወረሰን ዝተዓቀበን ቃል እዩ፡፡ ብታሪክ ትግርኛ ጥንታዊ ዝኾኑ በኣታታት ስነ ልሳን ብምዕቃብ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ዘሎ ቋንቋ እዩ ምባል ይከኣል፡፡
4.ፐሪሁ (Parihu)

እጅፕሽያን ሄሮግሎፊክስ መናበቢ ስለ ዘይነመሮ ፐርሁ ፐረየሀወ ኢሎም እዮም ዝምዝገብዎ እንተልና ምኽናያታዊ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እጅፕሽያን ˂ w ˃ = [u] and ˂ y ˃ = [i] . ካብዙይ እንርደኦ ‘ወ’ ዝንብብ ከም [u] ከም ዝኾነ ‘የ’ ድማ ዝንበብ ከም [i] እዩ፡፡ ስለዚ ፐረየወ = ፐሪሁ፡፡ ምሉእ ንሙሉእ መናበቢ እንትውሰኾ ፐሪሁ ይኸውን by “Devanāgari principle, according to which the unmarked vocalic value of each basic sign is “consonant + /a/” within a word or “consonant + /ɸ/” at the end (Loprieno (1995: 14)”.

እታ መጀመርያ ዘላ ድምፂ ‘ፐ’ ኮይና ብኣገላልፃ ስነ ልሳን ኢነዛሪ ከንፈር ዕጉት እያ፡፡ ካብዙይ ተበጊስና እንሓቶ ሕቶ ቋንቋ ትግራይ ድምፂ ’ፐ’ ኣለዎ ዶ ዝብል እዩ፡፡ ብርግፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን የብሉን፡፡ ስርዓተ ድምፂ ትግርኛ ብምፍታሽ ሰረት እዚ ድምፂ ‘ፐ’ ትግራይ ኣለዎዶ? እቲ መልሲ እወ እዩ፡፡ ምኽንያቱ Kogan ከምዝበሎ፣ “b, g, and d are subject to word-final devoicing. [Hence] nab [nap] ‘to, towards’ ” 1997: 425). ካብዙይ እንርደኦ ‘በ’ን ‘ፐ’ ዘርኢ ድምፂ ኮይኖም ካብ ፍረድምፂ ‘በ’ ዝተረኸቡ እዮም፡፡ ሓደ ቋንቋ ኣብ ከይዲ ኣብ ዝገብሮ ለውጢ ናይቲ ለውጢ ምልክታት ብተኸታተሊን ብተፈላለየ መልክዑን ኣፍቲ ቋንቋ ስነ ምእላድ ሓድጊ ይገድፍ እዩ (Campbell 2004: 225)፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሓድግታት ታሪክ እቲ ቋንቋ ንምፅናዕ ጠቐምቲ እዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ሱር ቃል (በ-ረ-ሀ) ‘በሪሁ’ ዝብል ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብ ከይዲ ዕብየት እቲ ቋንቋ ውህደት ፍረድምፅታት ኣጋጢሙ ክኾን ከም ዝክእል ንግምት (በ + ፐ > በ)፡፡ እዙይ ዘርድአና ግዜ መሰረት ጌርና ንድሕሪት ተመሊስና እቲ ቋንቋ እንተ ፈቲሽናዮ እዞም ዘረድምፅታት ኣብ ሓደ እዋን ዓርሶም ዝኸኣሉ ዝተፈላለዩ ፍረድምፅታት ነይሩም ከምዝኾኑ ክነረጋግፅ ንኽእል፡፡ ኣብ መብዛሕተኦም ቋንቋታት ዓለም ተመራመርቲ ስነ ልሳን ዝሰርሕዎ ስራሕ እዙይ እዩ፡፡ ምኽንያቱ እዞም ምልክታት ኣሰር ሕሉፍ ታሪክ ቋንቋ ስለ ዝኾኑ ኣፍቲ ቋንቋ ውህደት ድምፅታት ከም ዝተኻየደ መረዳእታ እዮም፡፡ ውህደት ድምፅታት ኣብ ታሪካዊ ስነ ልሳን ወድዓዊ ከይዲ እዩ፡፡ ንኣብነት እዚ ዝስዕብ እንግሊዝኛ ፅሑፍ ንርአ፡፡ Trask points out that earlier Spanish had two independent phonemes /b/ and /v/, which have merged into a single phoneme /b/ in almost all modern dialects of Spanish (b + v > b) (1996: 77).

ብተወሳኺ ታሪካዊ ኣመፃፅኣ እዚ ቃል (ፐ-ረ-ሀ) እንተፅኒዕና ካብ እጅፕሽያን ከም ዘይኮነ ተመሊሱ ዝሓደረ ሕቶ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ጥንቲ ግብፃውያን ባዕልቶም ስም ወፃኢ ዓዲ ፑንት እዩ ኢሎም ስለ ዝፀሓፍዎ፡፡ እዙይ ዘርደአና ፐሪሁ ናብ በሪሁ (ፐ > በ) ኣብ ከይዲ ከም ዝተቐየረ እዩ፡፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ድምፂ ከምቲ ኣብ ላዕላይ ዝረአናዮ ˂ w ˃ = [u] እዩ፡፡ ከምዙይ ካብ ኮነ ምስ ትግርኛ ይገጥም፡፡ ኣብ ትግራይ በሪሁ ዝብል ስም ልሙድ እዩ፡፡ ብመሰረት ከይዲ ስነ ልሳን ጥንቲ ፐሪሁ ዝነበረ ሐዚ በሪሁ ስለ ዝኾነ ቋንቋ ትገራይ እዩ፡፡
መጠቓለሊ

ኣብ እዋን ሃትሸፕሱትን (1501-1479 ዓ/ዓ) ቱትሞሲስ IIIን (1479- 1447 ዓ/ዓ) ምንግስቲ መስሪቱ ኣብ ዓለም ለኻዊ ንግዲ ሰደድ እናለኣኸ ጠለብ እናተቐበለ ዘነበረ ማሕበረ ሰብ ተጋሩን ሓማሴንን ከም በርበረ ተተኺሉ ሽዑ ንሽዑ ጉዕ ዝቕንጠብ ኣይኮነን፡፡ ወይ ድማ ከም ቡቀልቲ ዓተሓሪ ተኣሊኹ ሓዲሩ ዝቦቅል ኣይኮንን፡፡ ናብ ሓደ መንግስቲ ንምምፃእ እቶም ኣብ ጥንቲ ማሕበረሰብ ዝኽየዱ ክያዶታት ናይ ባዕሎም ግዜ የድልዮም፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ጥንቲ መንግስቲ ዝምስረት ብከይዲ ስለ ዝኾነ፡፡
ታሪክ ኣመሰራርታ ጥንታዊ መንግስቲ እንትነፅንዕ መጀመርያ መራሕቲ ሃይማኖት ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ ይኾኑ፡፡ ብምቕፃል ድልየትን ቁፅርን እቲ ማሕበረሰብ እንትውስኽ እተን ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝምረሓ ዝነበራ እተፈላለያ ቦታታት እቲ ዝሓየለ ሃይማኖታዊ መራሒ ይጥቕልለን እሞ ናብ ችፍ ዶም ይዓብያ፡፡ ወዲ ሰብ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ስለ ዘይብል እተን እተፈላለያ ችፍዶማት እቲ ዝሓየለ ችፍዶም ይጥቕልለን እሞ ንኡሽተይ ምንግስቲ ይምስርት፡፡ ስለዚ እቲ ብንጉስ በሪሁን በዓልቲ ገዘኡ ንግስቲ ኣቲን ብ1500 ዓ/ዓ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ፑንት እቶም ላዕላይ ዝረአናዮም ከይድታት ሓሊፉ እዩ ከም መንግስቲ ምስ ነገስታት ጥንቲ ግብፃውያን ንግስቲ ሃትሸፕሱትን (1501-1479 ዓ/ዓ) ንጉስ ቱትሞሲስ IIIን (1479- 1447 ዓ/ዓ) ንግዳዊ ርክብ ዘካይድ ዝነበረ፡፡ ስለዚ ሳይነሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ፀፍሒ ታሪክና ንምውሳን ጥንቲ ግብፃውያን ካብ መዓዝ ጀሚሮም እዮም ምስ መንግስቲ ፑንት ርክብ የካይዱ ነይሮም ኢልና ክንሓትትን ክንፍትሽን ወድዓዊ እዩ፡፡

ብመሰረት መረዳእታ ጥንቲ ግብፃውያን Although Egyptian expedition references were not bilateral; they can significantly help us to infer which geographical locations were referred to by which hieroglyphic texts. Pankhurst (1998: 14) pointed out that although the ancient Egyptians’ hieroglyphic references of expeditions to the land of Punt are one-sided; however, Egyptian hieroglyphic texts are invaluable in providing our earliest flash of light of the southern Red Sea area which was later to comprise the Ethiopian coast. They made known that Egyptian pharaohs of the First or the Second Dynasties (3546-3190 BC) were in possession of myrrh (myrrh, Egyptin ˂ ʕntyw ˃ is a tree and a sticky substance with a sweet smell that comes from trees and is used to make perfume, incense and frankincense), was one of the most valued commercial products obtained from Punt, possibly from present-day the eastern Tigray region.

ኣብ ላዕላይ ከም እተገለፀ ጥንቲ ግብፃውያን ካብ ቀዳማይን ካልኣን ዳይናስቲ (3546-3190 BC) ጀሚሮም ብፑንት ኣቢሎም ምስ ትግራይ ርክብ ነይርዎም፡፡ ስለዚ ፀፍሒ ታሪክና ልዕሊ 5000 /5 ሽሕ/ ዓመት አዩ እምበር 3000 ዓመት ኣይኮነን፡፡ ምኽንያት 3500 ዓ/ዓ እንትድመር 2000 ዓ/ም ይኸውን 5500 ስለ ዝኾነ፡፡

ንምንታይ ድኣ ታሪክና 3000 ዓመት ንብል እንተ ኢልና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ መንግስቲ ዛጉየ ስልጣን ናብ ሽዋ ንምውሳድ ዝተጠቐምሉ ተንኮል ሰሎሞናዊ ዝብል ሽርሒ ፖለቲካ ከም መበገሲ ታሪክ ተገይሩ ይውሰድ፡፡ ንምንታይ እንተልና ነቲ ብመስለስ ሓሶት እተፈጠረ ሶሎሞናዊ መንግስቲ ሕጋዊ ንምግባር፡፡ ንሕናውን ደንፅዩና ግድስ ብኡ ንብኡ ዓሺና ስለ ዝተረፍና ታሪክና ቆርፅና ግባ በለው እናበልና 3000 ንብል ኣለና ፡፡

ካሊእ ምስ ኣብ ቀረባና ዘለዉ ካልኦት ቢሀራት ታሪኮም ምስ ናባዕልና እንትነናፃፅር ካብ ሓደ 1000 ዓመት ዘይዛይድ ይኸውን እሞ በቲ ናትና 3000 ዓመት ንዓግብ፡፡ ስለዚ ታሪክና 3000 ዓመት እዩ እልና ንንየት፡፡

ካሊእ ሓሶት ተደጋጊሙ እንትዝረብ ሓቂ ይመስል ከም ዝበሃል EBC ኣብዚ ሐዚ እዋን ተወካሊ ኣቡነተክለሃይማኖት ዘደብረ ፅላልሽ ብምዃን ስለ ዘምብድብዶ ከም ሓቂ እናተቐበልና ንሕናውን ብኡ ንብኡ ሕቕቕ ኢልና ተሪፍና፡፡ ብካሊእ ኣገላልፃ ንሕናውን ተመራመርቲ ዘይኮንናስ ዝተብሃለ ደገምቲ ማለት ግልያ እማኑ ስለ ዝኾንና ኮጠጥ ኢልና ንደጋግሞ ኣለና፡፡
ብመሰረት ታሪካዊ ስነ ልሳን እንትረኣ ፕሮፌሰር ግሮበር ሃድሰን ከም ዝገለፆ ነዚ ዝስዕብ ስእሊ ዝምድና ቋንቋታት ኣፍሮ ሰሜቲክ ብመንፅር ግዜ ዝገልፅ ንርአ፡፡

ንኡስ ጉጅለ ደቡብ ኢትዮፒክ ድማ ንቋንቋታት ሓምሓርኛ፡ ኣርጎባ፡ ኣደሬ፡ ስልጢ፣ ወለኔን ካብ ዓሰርተ ክልተ ዘይውሕዱ ብጥማር ቋንቋታት ጉራጌ ዝበሃሉ ዝሓቐፈ እዩ፡፡ እዙይ ዘርድአና ኣምሓርኛ ካብ ግእዝ ዝተፈጠረ እዩ ዝብሉ ሰባት መረዳእተኦም ሰብ ሞያ ስነ ልሳን ዝጥቀሙሉ ኣይኮነን ማለት እዩ፡፡ ምኽንያቱ በተመራመርቲ ስነ ልሳን ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣይኮነንዶ ወዲ ግእዝ ክኾንስ ዘመዱ እዩ እምበር ሓዉ እኳ ኣይኮነን፡፡ ብመሰረት ስልቲ ታሪካውን ንፅፅራውን ስነ ልሳን መደብ ኣምሓርኛ ደቡብ ኢትዮፒክ እንትኸውን ትግራይ ግን ሰሜን ኢትዮፒክን እዩ ሄትስሮን (1972: 22)፡፡
ኣብ መወዳእታ ኣብ ምድረ ፑንት ተጋሩ ብዝብል ስም ዝፅዋዕ ማሕበረሰብ ብዜካ ትግራይ ተዛረብቲ ብታሪክ ዝፍለጥ ስለ ዘየለ እዞም ኣብ እጅፕሽያን ሄሮገሎፊክስ ዝተረኸቡ በኣታታት ስነ ልሳን ጥሙር ግእዝ ወይ ትግራይ ከም ኣብ ማንም ስነ ልሳናዊ ዓለም ዝግበር ርክብ ቋንቋታት ዕቱብ መራዳእታታት እዮም፡፡ እቲ ገዛኢ ኩነት ንምህላው ቋንቋ ነቲ ቋንቋ ዝጥቀም ማሕበረሰብ ምህላው እዩ፡፡ ስለዚ ኣብዚ መፅናዕቲ ክልቲኦም ገዛእቲ ኩነታት ተፈጥራዊ ቦቶኦም ሓልዮም ብታሪክ ተገጣጢሞም ኣለዉ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ጥንታዊ ፅሑፋት ጥንታዊ ታሪክ ማሕበረሰባት ንምፅናዕ መዳርግቲ ዘይብሎም እንኮ መረዳእታ ስለ ዝኾኑ ኣብ ታሪክ ዛለዓለ ቦታ ኣለዎም፡፡ ስለዚ ፀፍሒ ታሪክና ልዕሊ 5000 /5 ሽሕ/ ማለት 5500 እምበር 3000 ኣይኮነን፡፡