ገላውዴዎስ ኣርኣያ ዶ/ር

ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣነ ኣብ ዝሳተፈሉ ናይ ፈይስቡክ (Facebook) ሓፋሽ ርክባዊ መድረኽ ቁፅሮም ውሑድ ዘይበሃል ተጋሩ ብዛዕባ ቋንቋ ትግርኛ ምይይጥ ብምክያድ ገለገለ ሓሳባት ተቐያይሮም ኔሮም:: ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ሓሳባት ብወገነይ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝረኸብክዎ “ንምንታይ ስነጽሑፍ ትግርኛ ከም ዝግባእ ኣብ ትግራይ ክምዕብል ዘይከኣለ?” ዝብል ሕቶ እዩ:: እዚ ሕቶ’ዚ ድማ ርትዓውነት ዘንጸባርቕ ጥራይ ዘይኮነስ ወቕታውን ብዕምቆት ተመርሚሩ ድማ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ:: ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣነ ብወገነይ ናይ’ዚ ጽሑፍ ርእሰ-ነገር ኣቐድም ኣቢለ ኣልዒለዮ ኔረ እዬ:: ንኣብነት ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ ቋንቋ ትግርኛ ብዝምልከት ሲምፖዝየም (ናይ ጥሙር ጽሑፋት ኣኼባ) ኣብ መቐለ ተኻይዱ ስለዝነበረ ብኣካል ተረኺበ’ኳ ከበርክት እንተዘይከኣልኩ ሕጽር ዝበለ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ግን ብነፍስሄር ኣርኣያ ዘሪሁን ኣቢለ ልኢኸ ኔረ:: እቲ ሲምፖዝየም ኤርትራውያን ከይተረፉ ዘሳተፈ እዩ ኔሩ:: ቅድሚኡ ድማ ከሙኡ ዓይነት ኣኼባ ተኻይዱ ኣይፈልጥን:: ዝዀነ ዀይኑ ግን ኣብቲ ሲምፖዝየም ዝቐረቡ ብዛዕባ ቋንቋ ትግርኛ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ተጠቓሊሎም ንሕትመት ስለዘይበቕዑ እቲ ፈለማዊ ኣኼባ ዕዉት ኔሩ ክበሃል ኣይከኣልን:: ኣብ ቀረባ ጊዜ ካብ ሓደ ቪድዮ (ቃለ-መጠይቕ ናይ መምህር ገብረኪዳን ደስታ) ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ግን መምህር ኣብቲ ሲምፖዝየም ተሳቲፎም ከምዝነበሩን እቶም ዝቐረቡ ጽሑፋት ድማ ኣብ ኢዶም ከምዘለዉ (ወይም ከምዝተሓትሙ) ዝተዛረቡ ይመስለኒ

(ብዙሕ ርግጸኛ አይኮንኩን):: ናይቲ ሲምፖዝየም ጽሑፋት ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሞም እንተዀይኖም ድማ ኣሰዬ ዘብል እዩ:;

ኢቲ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ሲምፖዝየም ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ከኣ ንቀዳማይ ብርኪ መምህራን ዘዳለኹዎ ናይ ሥርዓተ-ትምህርቲ መምርሒ ስለዝነበረ ኣጋጣሚ ድማ ካብ ኒው ዮርክ ንመቐለ ይኸይድ ዝነበረ ትግራዋይ ስለዝረኸብኩ ነቲ ጽሑፍ ንናይ ትግራይ ትምሀርቲ ቢሮ ንኽበለይ ተማሕጸንከዎ:: ንሱ ግን ከየብጸሖ ተረፈ:: እዚ ናይ ኖህ ኳኽ ንምንታይ ከብጽሖ ከምዘይደለየ ግን ከሳዕ ሎሚ ክፈትሖ ዘይከኣልኩ ስንክሳር ኮይኑ ረኸብኩዎ:: ዝኾነ ኾይኑ ዋላ’ኳ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ መድሓርሓርቲ ኣሉታዊ ተራ እንተተጻወቱ: ገስገስቲ እውን ስለዝህልዉ ሓደ ኣጋጣሚ ተፈጥረ:: ኣብ ኒው ዮርክ ዝነብር ናይ ማ.ተ.ሰ.ኣ. ኣባል ብስልኪ ደዊሉ “በል ሓደ ናይ ሕወሓት ኣባል ካብ ዓዲ መጺኡ ኣሎ’ሞ ነቲ ጽሑፍ ሒዝካዮ ምጻእ፤ ንሱ ከብጸሓልካ እዩ” በለኒ:: ጽቡቕ’ባ ናይ ኖህ ርግቢት ካብተረኽበስ ጨለ ኢለ ናብ ቆጸራይ ከድኩ፤ ወዮ መልእክተኛ’ውን ረኸብክዎ፤ “እዚ ናይ መምሃሪ ዘዳለኻዮ ብዙሕ ክሕግዘና ስለዝኽል ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ትምህርቲ ከብጽሓልካ

 

 

እየ” በለኒ: ቅዳሕ ናይቲ ጽሑፍ ሒዙ’ውን ከደ:: ጽንሕ ኢሉ ድማ ‘አረኪብዎ እዩ’ ዝብል ሓበሬታ ረኸብኩ፤ ካብ ትምህርቲ ቢሮ ትግራይ ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን የለን:: እዚ ኹሉ ክጠቕሶ ዝደለኹ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ሽቶኡ ንኽወቅዕ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ምዃኑ ንምሕባር ጥራይ እምበር ነቐፌታ ንምቕራብ ኣይኮነን::

ብ፩ ፱ ፱ወይ፯ ከአ ብ2005 ዓ.ም.ፈ. ‘ክንዕቅቦምን ቅንነጽጎምን ዘለና ባህልታት’ ዝብል አርእስቲ ዘለዋ መጽሓፍ ኣሕቲመ ናብ ህዝቢ ኣቕሪበያ ኔረ:; ኣብቲ ገበር ናይታ መጽሓፍ እዛ ትስዕብ ሓጻር ግጥሚ ትርከብ:-

ብሽፋነይ ኣይትፍረደኒ ቀሊዕካ ኣንብበኒ ሓሳብ ተለካ ግለጸለይ ሃናጺ ነቐፌታ ኣቕርበለይ

ቀንዲ ትሕዝቶን መልእኽትን ናይዛ ግጥሚ ብሩህን ርድኡን እኳ እንተኾነ ኣንበብቲ መልሰ-ርእይቶ (feedback) ስለዘይሃቡ (እንትርፊ ውሑዳት ሰባት) ናይ ምንባብ ባህሊ ኣብ ሕብረተሰብና ከምዘይማዕበለ ክርዳእ ኪኢለ:: ብኡ ንብኡ ድማ ሓደ ሕቶ ንገዛእ ርእሰይ ሓተትኩ:- ‘ንምንታይ እዩ ጥንታውያን ኣቦሓጎታትና/እነሓጎታትና ግእዝ ፊደል ዝኣመሰለ ዘደንቕ ስነጽሑፍ ፈጢሮም ከብቅዑ በዚ እዋን’ዚ ግን ኣብዝሓ ህዝብና መሃይም ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ? ምንባብ ዘይክልን ናይ ምንባብ ባህሊ ዘይብሉን ሕብረተሰብ ከኣ ልምዓት: ለውጢ: ስልጣነ ከምጽእ ማለት ዘይሕሰብ እዩ:: ቅድመ ኩነት ናይ ስልጣነ ድማ ትምህርትን ስነጽሑፍን ስለዝኾኑ ህዝብና ብምልኡ ንመሃይምነት ኣጥፊኡ ምስዝሰጋገር ጥራይ እዩ ልምዓትን ምዕባሌን ብዘተኣማምን መገዲ ከነረጋግጽ እንኽእል::

ኣብ ዘይተባለሐ ኵናት ከይዲ ስነጽሑፍ ድማ ዘጋጥሙ ሽግራት ኣለዉ:: ዘጋጠመኒ ዝገርም ነገር ከዋግዓኩም:: ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣከባቢ ዝነብሩ ተጋሩ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ናይ ተጋሩ ምሸት ተዳልዩ ኔሩ፤ ቅነ ልደት እዩ ዝነበረ፤ ትምህርታዊ መደረ ንኽህብ እውን ስለተዓደምኩ ናብቲ ዝተሰናደወሉ ቦታ ከድኩ:: ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቂመ ድማ እታ ናይ ትግርኛ መጽሓፈይ ኣብቲ ዑደት ዝቐርበሉ ኣዳራሽ ከምትብተንን ትሽየጥን ገበርኩ፤ ብዙሓት ተጋሩ’ውን ነታ መጽሓፍ ገዝእዋ:: ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ ልኡል ራስ መንገሻ ሓደ ካብቶም መደረ ዘቕርቡ እዮም ኔሮም፤ ካብቲ ኣዳራሽ ወጺኦም ክኸዱ ከለዉ ድማ ኣነ ኣብቲ ኣፍደገ ኮይነ ንመጽሓፈይ ዝገዝኡ ሰባት ክታመይ ይፍርመሎም ነበርኩ’ሞ ንልኡል ዓጂብዎም ዝኸድ ዝነበረ ውልቀሰብ “እዚ መጽሓፍ ብኣምሓርኛ እንተዝኾን ኔሩ መንበብክዎ ኔረ፤ ብትግርኛ ስለዝኾነ ግን ከንብቦ ኣይኽልን” ምስ በለኒ

 

 

ዋላ’ን ኣበሃህልኡ ክርድኣኒ እንተዘይከኣለ “ብኣምሓርኛ ክወጽእ እዩ” በልክዎ:: ናይቲ ውልቀሰብ አባሃህላ በቲ እዋን’ቲ ከየስደምመኒ ኣይተረፈን፤ ትግራዋይ ኮይኑ እሞ ፊደል ዝቖጸረ ግን ትግርኛ ዘየንብብ ዝጋራጮ ኮይኑ ተሰመዓኒ:: ደሓር ግን ብዙሓት ተጋሩ ትግርኛ ንምንባብ ከምዝሽገሩ ሓበሬታ ረኸብኩ:: ነዚ እየ ከኣ ናይ ትግርኛ ቋንቋ ስነጽሑፍ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ዝብል ዘለኹ::

እዚ ትግራዋይ ኮይንካ ትግርኛ ዘይምንባብ ሽግር ካበይ መጸ? ቁሩብ ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኽና እንተመርሚርና መልሲ ክንረኽበሉ ንኽእል:: ካብ ሃፀይ ዮሃንስ ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ብትግርኛ ይዛረብ እምበር ብትግርኛ ኣይጽሕፍን እዩ ኔሩ፤ምኽንያቱ ሃፀይ ዮሃንስ ባዕሎም ኣምሓርኛ ናይ ኢትዮጵያ መሳርሒ ቋንቋ ንኽኸውን ብዕሊ ስለዝኣወጁ እዩ:: ሃፀይ ዮሃንስ በሊሕን መስተውዓልን ስለዝነበሩ ህዝቢ ትግራይ ምስ ብሄራት ኢትዮጵያ ክራኸብ እንተደኣ ኾይኑ በቲ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝዝረብ ማለት ብኣምሓኛ ጥራይ እዩ ክራኸብ ዝኽእል ኢሎም ስለዝሓሰቡ እዩ:: እዚ ብመሰረቱ ርትዓውን ቅንዑን እዩ፤ ተጋሩ ምስ ኦሮሞ: ሲዳማ: ሃድያ: ከምባታ: ጋምቤላ: አምሓራ ወዘተ ከራኸቡ እንተደኣ ኮይኖም ብኣምሓርኛ ጥራይ እዩ:: እቲ ሃፀይ ዮሃንስ ብቕንዕና (ወይ ብገርሂ ልቦም) ዘበገስዎ ሓሳብ ግን ብግዜ ሃፀይ ምነልክን ሃፀይ ኃይለሥላሴን መልክዑን ትሕዝትኡን ቀይሩ ኣምሓረኛ ዓብላሊ ቋንቋ ኮነ፤ ናይ ትግርኛ አድላይነትን አገዳስነትን ከኣ እናቐሃመ ከደ:: ስነጽሑፍ ትግርኛ ድማ ምሉእ ብምሉእ ሞይቱ ክበሃል ይከኣል::

ሓደ ዝገርም ነገር ግን ስነጽሑፍ ትግርኛ ኣብ መበቆሉን ዓዱን ኣብ ዝኾነ ኣብ ትግራይ ክምዕብል እኳ ኳእንተዘይከአለ ኣብ እንዳሓትንኡ ኣብ ኤርትራ ግን ክምዕብል ኪኢሉ ኔሩ እዩ:: ብሕልፊ ካብ 1940ዓታት ክሳብ 1950ታት መጨረሻ (ብኣወሮጳ ኣቆጻጽራ) ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ናይ ትግርኛ ጋዜጣታትን መጻሕፍትን ይወጹ ኔሮም እዮም:: መጀመርያ ተበግሶ ወሲዶም ናይ ትግርኛ ስነጽሑፍ ኣብ ኣስመራ ክምዕብል ዝገበሩ ከም ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝኣመሰሉ ተጋሩ እዮም፤ ደሓር ድማ ከም እኒ ቀሺ ዲሜጥሮስ ገብረማርያም ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ብቤት ማሕተም ኮኸብ ጽባሕ ኣቢሎም ብዙሓት መጻሕፍትን ኣውደ ኣዋርህን ከምዝሕተም ጌሮም ኔሮም:: እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ 1960ታት (ብኣውሮጳ) መጀመርያ ነቲ ዝጠጥሐ ባይታ ስነጽሑፍ ዕድል ተጠቂሞም ብዙሓት ኤርትራውያን ልብወለድ መጻሕፍቲ ክደርሱ ጀመሩ:: በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ኸኣ ስነጽሑፍ ትግርኛ ኣብ ክንዲ ኣብ ዓደንኡ ኣብ እንዳ ሓትንኡ ዝማዕበለ::

ሕጂኸ ስነጽሑፍ ትግርኛ ኣብ ዓደንኡ ይምዕብል ኣሎ ዶ? ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ግዱሳት ተጋሩ ካብ መቐለ ኤደብዳቤ (ኤለክትሮኒክ ደብዳቤ/email) ብምስዳድ ብዛዕባ “ዋኒነ-ትካልን ሓደሽቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ምሩቓትን” ብዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፍ

 

 

ስደደልና ስለዝበሉኒ ሊኢኸሎም ኔረ:: እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ሓደሽቲ ምሩቓት ከመይ ኢሎም ይጣየሱ፤ ርእሶም ይኽእሉ፤ ከም መጠን መራሕቲ-ዋኒን ከኣ እንታይ ዓይነት ተራ ይጻወቱ እዩ ኔሩ:: እቶም ግዱሳት ተጋሩ ግን መጽናዕታዊን ትምህርቲ-ሓዘል ጽሑፍ ጥራይ ኣይኮነን ዝደለዩ፤ ናይ ትግርኛ ሓድሽ መጽሄት’ውን ንምውጻእ ዕላማ ስለዝነበሮም እዩ:: ዘሐጉስ ዜና ስለዝነበረ ድማ ንመተባብዒ ኢለ እቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ መጽሓፈይ ልኣኽኩሎም::

ድሕሪ’ዚ ኣብ ላዕሊ ኣስፊረዮም ዘለኹ መእተዊ ሓሳባት ናብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ከምርሕ ምእንቲ በዚ ዝስዕብ ሕቶ ክጅምር:- ናይ ቋንቋ ትግርኛ ስነጽሑፍ ጥቕሙ እንታይ እዩ? ጥቕሙ ብዙሕ እዩ፤ ከምቲ ኣብ መጽሓፈይ ኣመልኪተዮ ዘለኹ ድማ መልሱ ከምዚ ዝስዕብ እዩ:-

“ካብ ኩሉ ዝዓበየን ዝሓየለን ናይ ባህሊ መግለጺን መዐቀብን ቋንቋ እዩ:: ብዘይ ቋንቋ ባህሊ አንኳይዶ ክግለጽን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ክመሓላለፍስ: ህላዌኡ’ኳ ዘጠራጥር እዩ ዝኸውን:: አብርእሲ’ዚ ቋንቋ ናይ ሓደ ብሄር ወይ ብሄረሰብ ሓደ ናይ መንነት ረቛሒ እዩ:: እምበኣርከስ ቋንቋ ካብ ሓሳብ ምግላጽን ርክብ ምፍጣርን ከምኡ’ውን መልእኽቲ ምትሕልላፍን ሓሊፉ ኣብ ባህሊ ዓብይን ወሳንን ተራ ስለዝጻወት ብዝርዝር ክንመያየጠሉ ኣድላዪ ኾይኑ ረኺብናዮ ኣሎና::”

ዝኾነ ቋንቋ ስነሂወታውን ማሕበረሰባውን መሠረት ኣለዎ:: ስነሂወታዊ ብተፈጥሮ ዝመጽእ ኮይኑ ባህርያዊ ድማ ስለዝኾነ ገና ንገና ወዲሰብ ኣብ ሓንጎሉ ናይ ዘረባ መትንታትን ንጥረነገራትን ሒዙ ይውለድ ማለት እዩ:: ስለዝኾነ ድማ ወዲሰብ ቅድሚ ምውላዱ ናይ ዘረባ ተሪር ጽሕጊ (hardwired with speech nerves) ሒዙ ስለዝፍጠር ዝኾነ ህጻን ሰዓቱ ምስበጽሐ ኣፉ ይኽፈት (ብገለ ምኽንያት ዓባስ እንተዘይኮይኑ)፤ ኣፍ ንምኽፋት ትምህርቲ አየድልዮን እዩ፤ ጽንሕ ኢሉ ግን ኢቲ ህጻን ናይ ሕብረተሰብ ኣባል ስለዝኸውን እቲ ኣብ ቤቱ: ጎጡ: ወይ ድማ ዓዱ ዝዝረብ ቋንቋ ኣብ ሓንጎሉ ይሰርፅ’ሞ ነቲ ቋንቋ ቀስ ብቐስ ይመልኮ፤ በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ ቋንቋ ማሕበራዊ ትሕዝቶ ዝህልዎ:: ንኣብነት እቲ ህፃን ኣብ ከባቢ እንደርታ ተወሊዱ ኣብኡ ድማ እንተዓብዩ ቋንቋ ትግርኛ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ እንደርታ ኣገባብ ኣዘራርባ (accent) ጌሩ እዩ ዝናገር (ዝዛረብ)፤ እታ ህፃን ኣብ ካርቱም ሱዳን እንተተወሊዳ ድማ ዓረብኛ ጥራይ ዘይኮነሰ ካብ ኣብ ካልእ ሃገራት ኣዕራብ ዝተፈልየ ዓረብኛ እያ ትዛረብ::

መጀመርያ እምበኣር ምእንቲ ብዕምቆት ክንርእዮን ትምህርታዊ ድማ ክኸውን ናይ ቋንቋ ስነሂወታዊ መሠረት ከቕርብ እየ:: ብኡ ኣቢለ ከኣ ናብ ማሕበራዊ መሠረትን ናይ ቋንቋ

 

 

ትግርኛ ስነጽሑፋዊ ትሕዝትኡን ክሓልፍ እየ:: ንመበገሲ ከኣ ሓደ ሕቶ ከቕርብ:: ወዲሰብ ጥራይ ድዩ ናይ ዘረባ ክእለትን ተውህቦ ዘለዎ ወይስ እንስሳ’ውን ናይ ነፍስ ወከፍ ቋንቋ ኣለዎም እዩ? ኩሎም እንስሳ ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍ ክእለት ኣለዎም:: እዚ ግን ቋንቋ አይኮነን:: ንኣብነት ጉዝዋ ርክብ ክገብሩ እንተደለዩ ንመጸዋዕታ ዘገልግል ከሚካላዊ ንጥረነገር (pheromones) ይነጽጉ፤ ኣዕዋፍ ብሕልኽልኽ ዝበሉ መዝሙራት ርክብ ይገብራ፤ ኣኽላብ ብምንባሕ: ብሒኒንታ: ከምኡ’ውን ብምጉርምራም መልእኽቲታት የሕልፉ፤ ንኸልቢ ካብ ካልእ እንስሳ ዝፈልዮ ምንባሕ ክኸውን ከሎ ሒኒንታ ግን ናይ ሕርቃን ምልክት እዩ፤ ጭርኡ ኣብ መንጎ ዳሕረዋይ ክልተ እግሩ እንተሰኮዖ ግን እቲ ኸልቢ ወይ ኣዝዩ ፈሪሑ ኣሎ ወይ ድማ ኣብ ድሕረ-ግጥሚ ምስ ካልእ ከልቢ ኢዱ ሂቡ ኣሎ ማለት እዩ:: ኣህባይ’ውን ንሓደ ሕርሻ ንምጥቃዕ ቅድሚ ምውፋረን ሓደ ዋርድያ ህበይ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ይቕመጥ’ሞ ሃደንቲ ኣራዊት ምስ ዝርኢ ፍሉይ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ይገብር፤ እተን ኣህባይ ከኣ ብቕጽበት ካብቲ ሕርሻ ወጺአን ናብ ኣእዋም ይስቀላ:: ሓርማዝ ምስ ካልእ ሓርማዝ ርክባት ክፈጥር ከሎ ሰብ ክሰምዖ ዘይክእል ድምጺ (infrasound) እዩ ዝጥቀም:: ቀላሚ ዓሳ ድማ ኣዝዩ ቅልጡፍ ብዝኾነ መገዲ ሕብሮም እናቐያየሩ መልእኽቲ የመሓላልፉ ወዘተ እዘን ኩለን ዝጠቐስኩወን ኣብነታት ግን ዘረባ ወይ ቋንቋ ኣየመልክታን:: ቋንቋ ካብ ርክብ ምግባርን ሓሳብ ምግላጽን ሓሊፉ ኮነ ኢልካ ዝግበር ነገርን ቅድም ቀዳድም ዝተወጠነ ንድፊ ንምትግባር ዝዓለመ እዩ:: እዚ እዩ ኸኣ እቲ መሠረታዊ ፍልልይ ናይ ሰብን እንስሳን:: ስለዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ሰብ ፍሉይ ናይ ዘረባ መትኒ ኣብ ሓንጎሉ ኣለዎ::

እዚ ብተፈጥሮ ዝተለገሰ ፍሉይ ናይ ዘረባ ክእለት ንኹሎም ደቂ ሰብ ሓደ ዝገብር ኮይኑ እቲ ማሕበራዊ ቋንቋ ግን ፍሉይ መንነት ኣብ ደቂሰብ ስለዝፈጥር ይፈላልየና ማለት እዩ:: ስለዚ ገሌና ኢትዮጵያውያን ገሌና ቻይናውያን መንነት ንሕዝ፤ ግን ኣብ ምሉእ ዓለም እንተዜርና 6500 ቋንቋታት ስለንረክብ ብኡ መጠን ከኣ ናይ መንነት ፍልልያት ንዕዘብ:: ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኢትዮጵያ’ኳ ማዕረ ሰማንያ ቋንቋታት ስለዝዝረብ ብኡ መጠን ከኣ ናይ ብሄርን ብሄረሰባትን መንነት ይህልወና ማለት እዩ:: ስለዚ ገሌና ተጋሩ: ገሌና ኦሮሞ ወዘተ መንነት ይህልወና::

ትግርኛ ንኹሎም ተጋሩ ሓደ መንነት ዝፈጥር እንተኾይኑ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ እቶም ናይ ትግራይ ተጋሩ መጸዋዕትኦም (መንነቶም) “ትግራይ”: “ትግራዎት”: “ተጋሩ” ኮይኑ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ትግርኛ ተዛረብቲ ግን መንነቶም “ትግርኛ” ኮይኑ? እዚ መንነታዊ ኣገላልጻ’ዚ ናይ ታሪኽ ከይድን ፖለቲካዊ ጽልዋታትን ዘምጽኦ እምበር ቋንቋ ዘምጽኦ ኣይኮነን:: ኤርትራውያን ንሓምሳ ዓመት ብጣልያን መግዛእቲ: ንዓሰርተ ዓመት ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ እንተዘይወድቁ ኔሮም፤ በተወሳኺ ከኣ ድሕሪ ሓድነት ኤርትራን

 

 

ኢትዮጵያን ቃልሲ ኣካይዶም እንተዘይፍለዩ ኔሮም “ትግርኛ” ዝበሃል መንነት አይመሃለወን ኔሩ::

ካልእ ምስ ታሪኻዊ ከይድን ፖለቲካን ዝተተሓሓዙ እሞ ከም ኣብነት ክንጠቕሶም ንኽእል ኣብ ኣመሪካ: ካናዳ: ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝርከቡ ትውልደ-እንግሊዝ ይኹኑ እምበር ዋላ’ውን ናይ እንግሊዝ ታሪኽን ባህልን ውርሻ ይዓቅብዎ እምበር መንነቶም ግን ኣመሪካዊ: ካናዳዊ: ኣውስትራልያዊ: ኒውዚላንዳዊ እዩ:: ብተመሳሳሊ ኣብ ቤልጅየም ዝርከቡ ኣብዝሓ ህዝቢ ፈረንሳይኛ እዮም ዝዛረቡ ግን ፈረንሳዊ ኢና ኣይብሉን፤ ቤልጅየም ኢና እዮም ዝብሉ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ስዊዝዘርላንድ ጣልያን: ፈረንሳይ: ጀርመን ዝዛረቡ ብሄራት ኣለዉ መንነቶም ግን እቲ ሓደ ዝገብሮም ናይ ስዊዝዘርላንድ መንነት እዩ:;

ካልእ ከነልዕሎምን ክንምልሶምን ዘለና ሕቶታት ኣሎዉ:: ከመይ ኢሉ እዩ ቋንቋ ትግርኛ ሓደ ክነሱ ኣብቲ ገፊሕ ናይ ትግርኛ ዞባ (ካብ ሓማሴን ከሳዕ አላማጣ: ካብ ወገራ/ወልቃይት-ፀገደ ክሳዕ ሽኸት/ዓፋር) ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣዘራርባ እተፈጥሩ? ንሓደ ነገር ንምግላጽ ድማ እተፈላለዩ ቃላት ዝፈለቑ? ኣብቲ ናይ ትግርኛ መጽሓፈይ ገሊጸዮ ከምዘለኹን ናይ ስነቋንቋ ሊቃውንቲ (linguists) እተሰማመዕሉን ብሓፈሽኡ ቋንቋታት ብሕብረ-ቋንቋ ገምጋም (sociolinguistic approach) ዝግለጹ እኳ እንተኾነ ናይ ቋንቋ አፈላልቓን ምዕባሌን ብዕምቆት ክርድኣና ዝኽእል ግን ናይ ቋንቋ ስነ-ኣገባብ (linguistic methodology) ምስ ንጥቀም እዩ:: ንኣብነት ተመሳሳሊ ወይ ሓደ ዓይነት ቃላት ዝጥቀሙ ህዝቢ ቋንቋኦም ብሓደ-ልሳን (isogloss) እዩ ዝግለጽ፤ ኣብ ሓማሴን ዘሎ ህዝቢ “ሕጂ” እንተበለ ኣብ ከባቢ ዓድዋ “ሐዚ” እንተበለ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝርከብ ህዝቢ ማለት ኣብ ሰራዬ (ብሕልፊ ከባቢ ዓዲዃላ) ድማ “ሕይ” እንተበለ ናይ ሓደ-ልሳን ነጸብራቕ እዩ ዘረድኣና:: ካልእ ናይ ሓደ-ልሳን መረዳእታ ነቲ ዝበርር ጸሊም ዑፍ ዳርጋ ኣብ መብዝሕትኡ ትግራይን ኤርትራን ‘ኳኽ’ ክብልዎ ከለዉ ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ግን ‘ቋቑራ’ ይብልዎ፤ ብተመሳሳሊ ኣብቲ ገፊሕ ዞባ ትግርኛ pigeon ‘ርግቢት’ ክትከውን ከላ ኣብ ከባቢ አኽሱም ግን ‘ርግቢ’ ትበሃል:: ኣብ መብዝሕትኡ ትግራይን ኤርትራን ‘ጽባሕ’ ክበሃል ከሎ ኣብ እንደርታ ግን ‘ናጋ’ እዩ:: እዘን ክልተ ቃላት ማለት ‘ቋቑራ’ን ‘ናጋ’ን እንተወሲድና ኣምሓርኛ ካብ ትግርኛ ቃላት ከምእተለቅሐ እዩ ዘረድአና፤ ምኽንያቱ ናይ ኣምሓርኛ ‘ቁራ’ን ‘ነገ’ን ካብቶም ናይ ትግርኛ ቃላት ከምዝፈለቑ ዘጠራጥር ኣይኮነን::

ብቋንቋ-ጆግራፍ (dialect-geography) እንተኸድና ግን ትግርኛ ተዛረብቲ ናይ ቋንቋኦም መሠረት ሓደ ስለዝኾነ ኣብቲ ዞባ ትግርኛ ዝበልኩዎ ዝዝውተሩ ቃላት ሓደ እዮም:- ንኣብነት “ፀሐይ”: “ማይ”: “ምዕራብ”: “ብርሃን”: “ጸልማት”: “በጊዕ”: “በዓል”: “ሰብኣይ”: “ሰበይቲ”

 

 

ዝኣመሰሉ ቃላት ብሓባር እዮም ዝጥቀምሎም:: ነዚ እየ ከኣ ንኣገላልጻ ክጥዕም ምእንቲ “ሓደ-ልሳን”: “ሓደ-ቋንቋ” ኢለ ዝፈላለኽዎም::

ብሓደ-ልሳን እንተኸድና ካብቲ ገፊሕ ዞባ ትግርኛ ናብ ኣውራጃን ጎጥን ስለንወርድ ናይ ቃላት ኣጠቓቕማ ፍልልይ ንርኢ ማለት እዩ:: ንኣብነት ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ፈይስቡክ ኃይሉ ሓድጉ “ቅርጫ ብትግርኛ እንታይ ይበሃል” ኢሉ ሓተተ’ሞ እዞም ዝስዕቡ ተጋሩ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱ:- ሮምሃይ ተስፋይ “ኣብ ምዕራብ ኣከባቢ ቍስቍስ ይበሃል”፤ ትግራዋይ እየ (ናይ ብርዒ ስም) “ቀረመት ስጋ”፤ ናይዝየር ኢትዮጵያ (ናይ ብርዒ ስም) “ቁርቁስ ይበሃል”፤ መቕደስ ነጋሲ ከኣ “ኣብ ዓድዋ ናይ ኣሕዋት ይበሃል” በለ/ት:: ከይተይጠቕሰ ዝሓለፈ: እሞ ኣብ ብዙሕ ትግራይን ኤርትራን ድማ “ጉዚ” እዩ ዝበሃል:: እዚ ናይ ሓደ-ልሳን ጽቡቕ መረዳእታ እዩ:: ብተወሳኺ ሓደ-ልሳን ብቓላት ጥራይ ዘይኮነ ብምሉእ ሓሳባት’ውን ይንጸባረቕ እዩ:: ንኣብነት ካብዞም ኣብ ፈይስቡክ ዝሳተፉ ማርታ ታደሰ ከምዚ በለት:-“ማርታሲ ናቕርሺ ሃፍታም ኣቕኒኡኒ ኣይፈልጥ፤ ናይ ኣተሓሳስባ ሃፍታም እምበይ”:: ማርታ ካበየናይ ከባቢ ትግራይ ከምዝመጸት ብቐሊሉ ምግማት ዝከኣል ይመስለኒ፤ እቲ መልሲ ግን ንኣንበብቲ ክሓድጎ እየ::

ሓንሳእ ሓንሳእ (ሓንሳብ ሓንሳብ) ድማ ሓደ-ልሳን ብናይ ሰብ ኣስማት ይግለጽ እዩ:-ንኣብነት ኣብ ከባቢ ዓጋመ “ጽሩይ”: “ጽጋብ”: “ዕንቊ” ወዘተ ብብዝሒ ይርከቡ፤ ኣብ ከባቢ ዓድዋ “ጌታቸው”: “ታደሰ”: “ጥላሁን” ዝዝውተሩ ኣስማት እዮም:: እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽክዎ ብታሪኻዊ ከይዲ ዝመጽእ ተጽዕኖ ግዳማዊ ቃላት: ኣስማት: ልምዲ ወዘተ ከምጽእ ስለዝኽእል እዩ:: ኣብ ታሪኽ እንተተወኪስና ድማ ኣብ ዓድዋ ናይ ኣምሓርኛ ኣስማት ዝበዝሓሉ ምኽንያት መስፍን ደጃዝማች ስባጋድስ ወልዱ ኣብ ዝገዝእሉ ጊዜ ዓድዋ ናይ ንግዲ ማእከል ንኽትከውን ስለዝገበሩ ካብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝመጹ ነጋዶ ኣብ ዓድዋ ስለተቐመጡ እዩ:: እዚ ኲነት’ዚ ብናይ ስነ-ቋንቋ ኣገላልጻ ፍልሰተ-ምትሕውዋስ (diffusion theory) ይበሃል፤ ብሓጺሩ ካብ ካልእ ዝመጹ ህዝቢ ምስ ደቂ ዓዲ ምስዝተሓዋወሱ ናይ ቃላትን ኣስማትን ምትሕውዋስ ይህሉ ማለት እዩ::

ሓንሳእ ሓንሳእ ግን ንስም ተወኪስና ጥራይ ናይ ሓደ-ልሳን እንታይነት ክንገልጾ ኣይንኽእልን:: ንኣብነት ‘ማርታ ታደሰ’ ብጽሑፋ ጥራይ ኣብ ሓደ-ልሳን መዲብናያ እምበር ስማስ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ዝርከብ ስም እዩ:: ብናይ መበቆል ቋንቋ (etymology) እንተኸድና ‘ማርታ’ ናይ ኣረማየክ ቋንቋ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ‘ወይዘሮ’ ማለት እዩ፤ ማርታ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀስ: ሓብቲ በታኒ ማርያምን ላዛሩስን (ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተሰኦ) እያ:: ‘ታደሰ’ እንተወሰድና ከኣ ናይ ትግራዋይ: ኣምሓራይ: ጉራጌ ወዘተ ስም ክኸውን ይኽእል:; ኦሮሞ እንተኾይኑ ድማ

 

 

ቁሩብ ይቕየር’ሞ ‘ታደሲ’ ይኸውን:: ነቲ ስም ብጥብቂ ናብ ትግርኛ እንተተርጉምናዮ ግን ‘ተሓደሰ’ እዩ ዝኸውን:; ስም ግን ልምዲ: ባህሊ: ተሪኦታት: ኃይማኖት-ሓዘል ወዘተ ነገራት ስለዘንጸባርቕ ኣብክንዲ ‘ተሓደሰ’ ወይድማ ‘ተሓደሰት’ ኣብ ዞባ ትግርኛ ‘ሓዲስ’ (ሓዱሽ) ወይ ‘ሓዳስ’ እና ንረክብ:: በዓል ሓዲስ/ሓዳስ ኣብ ኩሉ ዞባ ትግርኛ ስለዝርከቡ ኣገባብ ዘረባ እንተዘይተሓዊስዎ ካበየናይ ሓደ-ልሳን ምዃኖም ምፍላጥ ኣይከኣልን ::

ነዚ ጽሑፍ’ዚ አገዳሲ ዝኸውን ግን ቋንቋ ትግርኛ ከም ቋንቋ መጠን ሃብታም እኳ እንተዀነ ድኻ ኮይኑ ስለዝተረፈ እንታይ ክንገብር ኣለና ዝብል ሕቶ ምቕራብ ኣድላዪ እዩ ዝኸውን:: ርግጽ እዩ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትግራይ እተጻሕፉ ጽሑፋት ኣለዉ፤ መጽሄታት ከም ‘ውራይና’ ዝኣመሰሉ’ውን ይወጹ እዮም፤ ናይ ትግርኛ ተለቪዥን ዜና ዓቢ ተራ ይህልዎ ኣብ ምዕባሌ ትግርኛ፤ ትግርኛ ድራማ ብመጠኑ ይስርሑ እዮም ብዙሕ ዘዐግቡ እኳ እንተዘይኮኑ:: ንቋንቋ ትግርኛ ስነጽሑፍ ንምድንፋዕን ንምስፋሕን ግን ብቑዕ እዩ ዝበሃል ተበግሶ ከምዘይተወስደ ናይ ትግራይ ወድዓዊ (ጭቡጥ/ነባራዊ) ኩነታት የረድኣና:: ትግርኛ ሃብታም ክነሱ ድኻ ኮይኑ ዝተረፈ ቋንቋ እዩ ዘበለኒ ድማ እዚ እዩ::

ትግርኛ ሃብታም ምዃኑ ዝፍለጥ ንቍሳቍሳዊን ስነሓሳባዊን፤ንተፈጥሮን ሕብረተሰባውን ነገራት ዝገልጹ ብዙሓት ቃላት ስለዘለውዎ እዩ:: ብዝሒ ቃላት ንሓደ ቋንቋ የደንፍዖ እዩ፤ እቲ ቀንዲ ረቛሒ ናይ ቋንቋ ብልጽግና ግን ናይቲ ቛንቛ ናይ ምግላጽ ሓይሉ እዩ:: ንኣብነት perseverance ንዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ትግርኛ “ሓቦ” ብዝብል ሓደ ቓል ክገልጾ ከሎ አምሓርኛ “የመጣጣር ብዛት” ኢሉ ብክልተ ቃላት ይገልጾ:: እቲ ናይ ትግርኛ “ሓቦ” ብተወሳኺ ኣካላውን ስነልቦናዊ ጽንዓትን ክገልጽ ከሎ እቲ ናይ ኣምሓርኛ ትርጉም ግን ኣካላዊ ጻዕሪ ጥራይ እዩ ዝገልጽ:: ኣብርእሲ’ዚ ትግርኛ ብጎሮሮን ብመልሓስን ስለዝድመጽ (ከም ዕብራይስጥን ዓረብኛን) ንቓላት ወይ ፊደላት ብዝተፈላለየ ኣገባብ እዩ ዘድምጾም (ዝብሎም/ዘንብቦም):: ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ፊደላትን ቃላትን ንርአ/ንተዓዘብ:-

እዚ ሀ ግእዝ Hä እዩ ዝንበብ፤ ንኣብነት ‘በርሀ’ ‘ፈረሀ’ ‘ኣብርሀ’ ‘ኣብርሀት’እዚ ሃ ራብእ Ha እዩ ዝንበብ፤ ንኣብነት ‘ሃብቲ’ ‘ሃገር’ ‘ሃንደበት’ ‘ሃዋርያ’እዚ ሐ ሃመር ግእዝ Ḧä እዩ ዝንበብ፤ ንኣብነት ‘በፀሐ’ ‘ወገሐ’ ‘ነበሐ’ ‘ፈለሐ’

እዚ ሓ ሃመር ራብዕ Ḧa እዩ ዝንበብ፤ ንኣብነት ‘መሓሪ’ ‘መልሓስ’ ‘ሓደ’ ‘ሓድነት’እዚ አ ግእዝ Á እዩ ዝንበብ፤ ንኣብነት ‘መጽአ’ ‘መጽአት’እዚ ኣ ራብዕ Ȧ እዩ ዝንበብ፤ ንኣብነት ‘ኣርኣያ’ ‘ኣርያም’ ‘ኣዋጅ’ ‘ኣወንታዊ’

እዚ ዐ ዓይኒ ግእዝ (ብጎሮሮ ዝድመጽ) ȯ እዩ ዝንበብ፤ ንኣብነት ‘በልዐ’ ‘በልዐት’ ‘ዘዐግብ’እዚ ዓ ዓይኒ ራብዕ (ብጎሮሮ ዝድመጽ)ȫ እዩ ዝንበብ፤ ንኣብነት ‘ዓለም’ ‘መዓልቲ’ ‘መዓር’

 

 

እምበኣርከስ ቀንዲ ሓይሊ ናይ ትግርኛ ፅምዲ ድምጽታት እንዳገበረ እተፈላለየ ትርጉም እንዳሃበን ስለዝኸይድ ንኣብ ተፈጥሮ ዘለዉ ዝኾኑ ድምፅታት ከድምፆም ጥራይ ዘይኮነስ ብፊደል መልክዕ’ውን ክውክሎም ምኽኣሉ እዩ:: ትግርኛ ካልእ ሓይሊ እውን ኣለዎ:: ተመሳሳሊ ፊደላት ኮይኖም ግን እተፈለየ ትርጉም ዘለዎም’ውን ኣለዉ:- ንኣብነት ‘ንሶም’ (ንዓቢ ሰብኣይ/ንኽብሪ): ‘ንሰን’ (ንዓባይ ሰበይቲ/ንኽብሪ)፤ ‘ንስኹም’’/’ንስኻትኩም’ (ንብዙሓት ሰብኡት): ‘ንስኽን’/’ንስኻትክን’ (ንብዙሓት ኣንስቲ) :: እዚ ኣገላልጻ’ዚ ኣብ ትግራይ ጥራይ እዩ ተዓቂቡ ዝርከብ፤ ኣብ ኤርትራ መበቆላዊ ትርጉሙ ጠፊኡ እዩ፤ ኣብ ኣምሓርኛ ድማ ፍፁም የለን (ብኣምሓርኛ እናንተ ወይድማ እነሱ እንተበለ እንታይ ፆታ ምዃኑ ክፍለጥ ኣይከኣን):: ካልእ ትግርኛ ካብ ካልእ ቋንቋታት ዝፈልዮ ንዝምድናታት ብዘዐግብ ክገልጽ ምኽኣሉ እዩ:: ንኣብነት ‘ኣሞ’ (ሓት ኣቦ/ሓብቲ ኣቦ): ‘ሓትኖ’/ሓት እኖ/ሓትነ/ሓት እነ (ሓብቲ ኣደ)፤ ‘ኣኮ’ (ሓው እነ/ሓው ኣደ): ‘ሓዎቦ’ (ሓው ኣቦ)፤ ብኣምሓርኛ ግን ‘ኣክስት’ ‘ኣጎት’ ብደፈና ስለዝበሃል ብኣደ ወገን ይኹን ብኣቦ እቲ ዝምድና ተነጺሩ ክፍለጥ ኣይከኣልን::

ትግርኛን ኣምሓርኛን ካብ ግእዝ ዝወጹ ምዃኖም እኳ ዘጠራጥር እንተዘይኰነ ትግርኛ ብጎሮሮን ብልሳንን ከድምጽ ከሎ ኣምሓርኛ ግን ብልሳን ጥራይ እዩ ዘድምጽ:: ስለዚ ኣብ እቲ ነዊሕ ዘገምታዊ ምዕባሌ ናይዞም ክልተ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ኣምሓርኛ ነቶም ብጎሮሮ ዝድመፁ ቃላትን ፊደላትን ገዲፉ ርእሱ ዝኸኣለ ቋንቋ ኰይኑ እምበር ኣብቲ ፍልማዊ ጉዕዞ ትግርኛ እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል:: ነዚ ርትዓዊ ኣገላልጻ ዘረጋግጽ ካብዞም ዝስዕቡ ቃላት ክንርዳእ ንኽእል:-

ትግርኛ                                                                                    ኣምሓርኛ

በልዐ                                                                                        በላ

በጊዕ                                                                                         በግ

ዓይኒ                                                                                        አይን

ሰምዐ                                                                                        ሰማ

ሮቡዕ                                                                                        ሮብ/ሮቡእ

ደግዐ                                                                                        ደጋ

ብዙሕ                                                                                      ብዙ

ትግርኛ ከሳዕ ከንደይ ንኣምሓርኛ ጽልዋ ኣሕዲርሉ ከም ዝነበረ ክንርኢ እንተደለና ድማ ትሕት ኢለ ኣቐሚጠዮም ዘለኹ ቃላት ንተዓዘብ’ሞ ክሳዕ ክንደየናይ ናይ ጎንደር ኣምሓርኛ ናይ ትግርኛ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ክንርዳእ ንኽእል:: እኳደኣ ናይ ጎንደር አምሓርኛ ሓንፈጽ ትግርኛ እዩ ተበልናዮ ዝተጋነነ ኣይኮነን:: ኣብ ብዙሕ ገጠራት ናይ ጎንደር (ዳባት: ወገራ:

 

 

ደምብያ: አርማጭሆ: ጭልጋ ወዘተ) ተዘዋዊረ ኔረ’ሞ እቶም ደቂ ዓዲ ክዛረቡ ከለዉ ትግርኛ እናሓወሱ ዝዛረቡ እዩ ዝመስል፤ ንኣብነት ኣብ ሓደ ቦታ “ልጆች ኣቅል ኣርጉ” ክብሉ ሰማአዕክዎም እሞ ዓቕሊ ግበሩ ምዃኑ ተረደኣንን ገረመንን::

ትግርኛ ኣምሓርኛ (ጎንደር) ኣምሓርኛ (ሸዋ)
ሰርነቐ ሰረነቀ ትን ኣለ
አስተንተነ አስተነተነ ኣሰበ
ዕድመ ዕድም ጥሪ
ሽግ ሹግ ችቦ
ፌራ ፌራ ተስቦ
ጸለመ ጸለመ ጠቆረ
ሞግዲ ሞግድ ኣካምባሎ

ቋንቋ ትግርኛ ከም ዓረብኛ’ኳ ሰፊሕ ናይ ቋንቋ-ጆግራፍ ኣይሃልዎ እምበር ብስነጽሑፍ ንክምዕብልን ክሰፍሕን ግን ዕቝር-ሓይሊ (potential) ኣለዎ እዩ:: እቲ ቀንዲ ረቛሒ ንምዕባሌ ሓደ ቋንቋ ፊደል ምህላው እዩ፤ ንሕና ድማ ቀዳሞት ሊቃውንቲ ወለድና ግእዝ ፊደል አውሪሶምና ስለዝሓለፉ ዕድለኛታት ኢና ክንብል ንኽእል:: እቶም ፊደላት ንስነጽሑፍ እንተዘይተጠቀምናሎም ግን ከም ገንዘብ ኣብክንዲ ኣብ ባንክ ኣቐሚጥና ወለድን ውሕስነትን እንረኽበሉ ኣብ ገዛ ንሓብኦ’ሞ ወይ ኣንጭዋ ወይ ፍልሖ ይበልዖ ማለት እዩ ዝኸውን:; ከመይ ኢልና ደኣ ሰነጽሑፍ ትግርኛ ነማዕብሎን ነስፍሖን? ናይዚ መልሲ ቀሊል እዩ::

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብሕልፊ ቀዳማይ ብርኪ ተመሃሮ ብትግርኛ ክመሃሩን ክጽሕፉን ኣለዎም፤ እንግልዝኛ ከም ቋንቋ መጠን እናተመሃሩ ካልእ ዓይነት ትምህርቲ ግን ብትግርኛ ክመሃርዎ ኣለዎም:: ነዚ ንምስላጥን ንምትግባርን ግን ምሁራት ክረባረቡ ኣለዎም፤ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ መጻሕፍቲ ናብ ትግርኛ ተርጒሞም ከቕርቡ ይግባእ:: እቶም ተመሃሮ ብተወሳኺ ብደረጀኦም ተዋስኦ ክሰርሑን መደረ ከቕርቡን: ከምኡ’ውን እተፈላለዩ ርእሰ-ነገራት ብምምራጽ ክትዕ ከካይዱ ኣለዎም::

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ስነጽሑፍ ትግርኛ ንምምዕባል ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ:: ብመንግስቲ መሪሕነትን ትእዛዝን ናይ ጎደናታት: ሆቴላት: ፋብሪካታት: መንግስታዊ ትካላት: ኣብያተ ትምህርቲ: ታሪኻዊ ቦታታት ወዘተ ኣስማት ብትግርኛ ከጸሓፉ አለዎም:: ኣምሓርኛ ከም መስርሒ ቋንቋ ናይ ኢትዮጵያ: እንግልዝኛ ድማ ከም ዓለምለኻዊ

 

ቋንቋ ብተወሳኺ እንተኣተዉ ጸገም ኣይኸውንን፤ ግን ንትግርኛ ገዲፍካ ቀዳምነት ንኻልኦት ቋንቋታት ምሃብ ክኸውን የብሉን::

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት (መቐለ: ኣኽሱም: ዓዲግራት) ድማ ኣብ ምድንፋዕ ስነጽሑፍ ትግርኛ ዓቢ ተራ ክጻወታ ኣለወን:: እዘን ሰለስተ ዩኒቨርሲታት እዚአን ምስ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግሥትን ፈደራላዊ መንግሥቲ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር መሃይምነት ንምጥፋእ ወፈራታት ብቐጻልነት እንተኣካይደን እሞ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ብቋንቑኡ ከንብብን ክጽሕፍን እንተኺኢሉ ጥቕሙ ዓቢ እዩ ዝኸውን ብሕልፊ ኣብ ወፍሪ ልምዓት:: እቲ መሃይም-ነበር ህዝቢ ድማ ነተን ኣብ ትግራይ ዝወጻ ጋዜጣታት: መጽሄታትን: መጻሕፍትን ከንብበን ይጅምር ማለት እዩ:: ናይዚ ኣወንታዊ ውጺኢት ከኣ:- ፩) ለባም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ርእሲ’ቲ ሃብታም ባህሉን ቅርስታቱን ፍልጠት ይውስኽ: ብርሃን ይለብስ፤ ፈላጥ ህዝቢ ድማ መሠረት ናይ ልምዓት እዩ፤ ፪) እቶም ፊደል ዝቖጸሩ ትግራዎት ድማ: ቅድሚ ሕጂ ጌርሞ ዘይፈልጡ: ጋዜጣታትን: መጽሔታትን: መጻሕፍትን ከንብቡ ይጅምሩ’ሞ እተን ናብ ህዝቢ ዘቕርባ ናይ ስነጽሑፍ ትካላት ድማ ሰፊሕ ዕዳጋ ይህልወን ማለት እዩ::

ኣብ ርእሲ’ዚ ኹሉ ዝጠቐስክዎ በዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ዕማምና ክኸውን ዘለዎ ናይ ምንባብ ባህሊ ምድንፋዕ እዩ:: ናይ ምንባብ ባህሊ ብውልቂ መጻሕፍቲ ምንባብ፤ ኣብ ቤት ንባብ ብምኻድ’ውን ክምዕብል ይኽእል እዩ:: ግን ብዝቐልጠፈ ጊዜ ናይ ምንባብ ባህሊ ክሰፍሕ ዝኽእል ናይ ንባብ ማእከላት ምስ እንፈጥር እዩ:: እዘን ናይ ንባብ ማእከላት ወይ ክበባት ስርሐን ንባብ ጥራይ እዩ ዝኸውን፤ አባላት ናይ ነፍስወከፍ ንባብ ማእከል ድማ መጻሕፍቲ ምብርካትን እተነቡ መጻሕፍቲ ምቅይያርን ርእይቶታት ብዛዕባ ዝተነቡ ርእሰ-ነገራት ምክፋልን እዩ ክኸውን ዝግባእ::

ኣብ መጨረሻ ከም መዛዘሚ ዘቕርቦ ሓሳብ ተሎ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቋንቋ ምዝራብ: ምንባብ: ምጽሓፍ ጥቕሙ ቁሳቍሳዊ ወይድማ ንዋታው ጥራይ ኣይኮነን፥ ሰነልቦናዊ እውን ኮይኑ መንፈስካ ዘሐድስ: ሓንጎል ዘበልጽግ: ተኣማኒነት’ውን ዘማአዕብል እዩ:: በዚ ምኽንያት ይመስለኒ ናይ ቀደም ጀርመናዊ ፈላስፋ ጀሃን ጎትልብ ፍቼ (1762-1814) ዝበሃል “ንሓደ ህዝቢ ቋንቑኡ ነብሱ እዩ” ዝበለ:: ካልእ ክንፈልጦ ዘለና ስነጽሑፍ ብሓደ-ልሳን ከምዘይውሰን እዩ፥ ፈቲና ጸሊእና ብቋሚ-ስሩዕ ቋንቋ (standard language) እዩ ዝዝረብን ዝጸሓፍን:: ኣነውን ነዚ መጽናዕታዊ ጽሑፍ’ዚ ብቋሚ-ስሩዕ ቋንቋ እየ ጺሒፈዮ:: እዚ ኹሉ ዝተንተንኩዎ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ስነጽሑፍ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ክትግበር እንተደኣ ኮይኑ ድማ እቶም ምሁራት እንበሃል ብዕማም ብዕማም ተኸፋፊልና አእጃምና እንተኣበርኪትና

ንቋንቋ ትግርኛ ስነጽሑፍ ተሓድሶ ምብርካት ጥራይ ዘይኮነስ ንመጻኢ ትውልዲ’ውን ታሪኻዊ ሓድጊ ገዲፍና ንሓልፍ ማለት እዩ::