ዘፅኣት (ዶ/ር)- ካብ መቐለ

ናይ ነገራት ኣንፈት ንዘስተብህል፣ ኣብ ቅድሚትና ዘለዉ ፈተናታት ካብቶም ዝሓለፍናዮም ኩሎም ብዓይነት፣ ስፍሓትን ዕምቆትን ዝዛየዱ እምበር ዝወሓዱ ኣይኮኑን፡፡ ስለዝኾነ ድማ በብግዚኡ ንዝፍጠሩ ጊዜያዊ ፀገማት ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ጥራሕ ተፀሚድና ኣብ ሰንፈለል ከይንነብር ጥንቃቐ ክንገብር ይግበአና፡፡

ብርግፅ ንቶም በብግዚኡ ዝፍጠሩ ሃንደበታዊ ፀገማት፣ ተጻብኦታት ግቡእን ተመጣጣኒን ግብረ-መልሲ ምሃብ ግድን እዩ፡፡ ንኣብነት፡ ንቲ ሐዚ ኣብ ከባቢታት ጎንደርን ካልኦት ከባቢታት ኣምሓራን ብኒ የጎንደር ሕብረትን መሰል ሓይልታት ትምክሕቲን ውዲት፣ ብገለ መራሕቲ ብአዴን ኣተሓባርነት፣ በዓል ግብጽን ሸዓብያን ኣይዞኹም

በሃላይነት ተፈጢሩ ዘሎ ፅልኣት ዝወለዶ ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዐ ጥቕዓት ኣትሪርና ዓው ኢልና ድምፅና ከነስምዕ (ዓው ኢልና ድምፅና እነስምዐሉ መንገዲኸ ኣለና ድዩ?- ንሱ ቀፂልና እንምልሶ ሕቶ እዩ)፣ ክንኩንኖ፣ ዝተዋደደ ግብረ መልሲ ክንህብ ከደልየና እዩ፡፡ ካልኦት ንዝፍጠሩ ወድዓዊ ፀገማት እውን ከምኡ በብግዚኡ እናተኸታተልና፣ ብሕብረት ንምክቶም፡፡

እዚ ግን ግዚያዊ ናይ ሓዊ ምጥፋእ ስራሕ እምበር ርሑቕ ዘኺደና ኣይኮነን፤ ዘላቒ ረብሓና እውን ዘረጋግፀልና ኣይኮነን፡፡ እቲ ቀንዲ ዋኒንና ክኸውን ዘለዎ ምኽንያት እቲ ሓዊ መርሚርካ  እቲ ፀገም ካብ ምንጩ ምንቃፅ እዩ፡፡ እቲ ቐንዲ ዋኒንና ክኸውን ዘለዎ ዘለቒ ረብሓታትና ዘረጋግጹ፣ ንቶም ግዚያዊ ፀገማትና ፈቲሖም ካልኦት ቀፀልቲ ተጻብኦታት እውን ንኸይመፁ ዝከላኸሉ፣ ነብስኻ ብኹሉ መዳይ ናይ ምሕያል ስራሕ እዩ፡፡ እታ ዓለቕቲ እትፍልፍል ዘላ ዔላ እውን ክትድፈን ኣለዋ፡፡  ኣብኡ ኣትኲርና ንስራሕ፡፡ እታ ዔላ ድማ ኩለመዳያዊ ሕመቕና እዩ፡፡  ኣብኡ ኣዐሪና ንስራሕ፡፡

መስረቲ እታ ሐዚ ዘላ ሃገረ-እስራኤል በዓል Theodor Herzel  (ጋዜጠኛ) ኣብ መወዳእታ 19 ክ/ዘመን World Zionist Organization ዝተብሃለ ከም think-tankን መተሓባበሪ ኮሚቴን ኮይኑ ዘገልግል ማሕበር መስሪቶም ብዛዕባ ምጥያሽ ሃገረ-እስራኤል እንትሓስቡ ብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ሓበራዊ ምርድዳእ ፈጢሮም ነይሮም፤

  1. ሚድያታትን ፋይናንሳዊ ትካላትን ዓለም ክቆፃፀሩ ከምዘለዎም፤
  2. ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣይሁዳውያን ብፍልጠት ውሽጦም ክሃንፁ፣ ኣብ ዓውዲታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፈንጺሖም ክወፁ፣ ብኹሉ መዳይ ጠንኪሮም ክፀንሑ ጎስጓስ ክግበር፣ ብሉፃት ልሂቃን ክፍጠሩ ኩነታት ምምችቻው፤
  3. ኩሉ ኣይሁዳዊ እቲ ዝጠፍአ ቋንቋኡ እብራይስጥ ከም ብሓዱሽ ክመሃር፣ ኩሉ ሰብ ኣስማቱ ኣይሁዳዊ ክገብር ጎስጓስ ክገብሩ ከምዘለዎም፡፡

ሎሚ እቲ ቐንዲ ውግእ ናይ ክላሽ ዘይኮነስ ናይ ሐሳብ፣ ናይ ፍልጠት እዩ፤ ሚድያ ድማ እቲ ዝዓበየ መሳርሒ ኲናት እዩ፡፡ 1948 ዓ.ም ፈላሚ ቀዳማይ ሚኒስተራ David Ben-Gurion ገይራ ዝተጣየሸት ሃገረ-እስራኤል ምስ ኩሉ ተፃብኦታት ከም ሃገር ደው ክንቕጽል ዝገበራ ኩለመዳያዊ ጥንካረኣ እኳ እንተኾነ ናይ ዓለም ሚድያታት ዳርጋ ኩለን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣይሁዳውያን ዝኣተዋ ምዃነን፣ ኣይሁዳውያን ኣብ ዓውዲታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ርሒቖም ምስጓሞም፤ ጥንኩራት ዝኾኑ ማእኸል ልህቐት ቲንክ-ታንክታት ምህላዎም፣ ብኹሉ መዳይ በሊፆም ምርካቦም ብሓዊ ተኸቢቦም ህልውንኦም ኣረጋጊፆም፣ ኣረጋጊፆም ጥራሕ ዘይኮነስ ሃፍታም፣ ስልጥንቲ፣ ማእኸል ፍልጠት፣ማእኸል እንጀራ ዝኾነት እስራኤል ፈጢሮም፤ ልዕሊ 1 ሚልዮን ካብ ኣፍሪካን ካሊእ ክፍሊ ዓለምን ዝኸዱ ስደተኛታት እውን ኣዕቚቦምላ ኣለዉ፡፡ 

ሐዚ ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዘ እንታይ ንግበር?

ክልተ ቀንዲ ዋኒናት ኣለዉና- ንጽባሕ ዘይበሃሉ ክልተ ቀንዲ ዋኒናት፤

  1. ምጥያሽ ጥንኩር ሚድያ (መደብር ቴሌቭዥን) ተጋሩ፡  

ኢንፎርሜሽን ዝለዓለ ሃፍቲ፣ ሚድያ ድማ ልዕሊ ኒኩልየር ዓረር ኣብ ዝኾነሉ 21 ክ/ዘመን እናነበረ ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ዓው ኢሉ ድምፁ ዝስምዐሉ፣ ሐሳባት ብነፃ ዝለዋወጠሉ ሓደ ምዕቡል ሚድያ የብሉን፡፡ ንሐሳብ ብሓሳብ እንምክተሉ፣ ብዙሓት ሐሳባት ብነጻ እነሸራሸርሉ፣ ሐደሽቲ ሐሳባት ዝፍጠሩሉ፤ ባህልናን ቋንቋናን እነማዕብለሉ ሓደ ህይወት ዘለዎ ሚድያ የብልናን፡፡ እዚ ከም ህዝቢ ውርደት እዩ፡፡ ትግራዋይ ዝኣክል ኣብ ዝኣመነሉ ውፉይ፣ ቆራጽ፣ ሓቦኛ ዝኾነ ህዝቢ ሒዝና ሓንቲ ነጻ ዝኾነት፣ ስኒ ዘለዋ፣ ሐሳባትና ብዘይሰኸፈት እነሸራሽረላ ቴሌቭዥን ዘይምህላዉ ኣዐርዩ የሐመኒ፡፡ ኣሽንኳይዶ ንቕኑዕ፣ ንሰናይ ዕላማስ ንጥፍኣት፣ ፅልኣትን ቅርሕንቲን ንምስፍሕፋሕ እኳ ቴሌቭዥን ጣብያ ዝኽፈት! ንሪኦምኮለና በዓል ኢሳት፡፡ ንሳቶም ብዘይገደብ ዝዘርኡዎ ናይ ፅልኣት ዘርኢ ቦቒሉ ንሪኢ ኣለና ተጋሩ ንብረቶም እንትቃፀል፣ ብትግራዋይነቶም እንትቕተሉ፡፡ ንሕናኸ እንታይ ንገብር ኣለና? እግሪ እግሮም ስዒብና ፅልኣት ክንሰብኽ ኣይኮነን፤ ንሓሳቦም ብሓሳብ፣ ንሕሶቶም ብመርትዖ፣ ንፅልኣቶም ብምኽንያት ክንሙግቶ፣ እቲ በብግዚኡ ዝፍኑዉዎ ዝተዛብዐ መረዳእታ ሚዛን ከነትሕዞ ይግባእ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዘላቒ ረብሓታትና ንምውሓስ፣ ንህዝቢን ዓዲን ይጠቕሙ እዮም ዝተብሃሉ ሐሳባት ብዘይሰኸፈት ብግልጺ ንዘራረበሉ፣ ጉዕዞና ኣንፈት ነትሕዘሉ ሚድያ የድልየና፡፡ ምጥያሽ ሚድያ ንዓና ንተጋሩ ኣዝዩ እዋናዊ ዝገብሮ ህሉው ናይ ሚድያ ሓይሊን ረብሓን ከምዘሎ ኾይኑ ብኣውሩኡ ድማ ኣንፃር ህልውናና 24 ሰዓት ዝሰብኩ ፀላኤ-ሰናያት ኣብ ዘለዉሉ ኩነታት ኢድካን እግርኻን ዓፂፅፍካ ኮፍ ኢልካ ምጽባይ ሓደግኡ ብተግባር ንሪኦ ስለዘለና እዩ፡፡

  1. 2.   ምጥያሽ ነፃ Think-tank ተጋሩ፤

 ካብኡ ቀፂሉ ዘሎ ናይ ኩልና ርብርብ ዝሓትት፣ ኣብ ሓጺር እዋን ተግባራዊ መልሲ ዝሓትት ጉዳይ ድማ ጉዳይ ምጥያሽ ማእኸል ልህቐት ስትራቴጂያዊ ኣተሓሳስባታት (center for strategic studies)ን  ኣብዚ ዝነጥፍ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ዝተፈላለየ ልምድን ኣረኣእያን ዘለዎም በላሕቲን ፈተውቲ ዓዶምን ተጋሩ ዝሓቖፈ ሓደ Think-tank ጉጅለን እዩ፡፡ እዚ ካብቲ ሐዚ ህ.ወ.ሓ.ት ብዲሞክራሲያዊ ማእከላውነት ተጠርነፍቲ ብዝኾኑ ኣባላቱ መስሪቱዎ ዘሎ ካብ ተራ መሰረታዊ ውዳበ ዝዘለለ ነፃነት ዘይብሉ ስማዊ “ቲንክ-ታንክ” ዝዘለለ እዩ፡፡ ብጥረ ትግርኛ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ዋላ ሓደ ትርንዕ ዝበለ ስትራቴጂያዊ ሓንፃፂ፣ ሓሳቢ (strategist thinker) ኣካል የብሉን፡፡  ህሉው ኩነታት ተዓዚቡ፣ ፅባሕ ክመጽእ ዝኽእል ኣሚቱ፣ ኣንፈት ቀፃሊ ጉዕዞ ዝስምር ሓደ ኩለመዳያዊ ስትራቴጂስት የብልናን፡፡

-      ዲሞክራሲና ከመይ ይምዕብል?

-      ኣየናይ ፖለቲካዊ ኣይዲዮሎጂ ዝበለፀ ይረብሐና?

-      “ሙዚቃና ከመይ ይኺድ?

-      ግጥምታትና ኣበይ የድህቡ?

-      ባህልና ከመይ ይኹን?

-      ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፍልስፍናና ከመይ ይቃነ?

-      ኢኮኖሚና ከመይ ይኺድ?

-      ናይ ወፃኢ ፖሊሲና ከመይ ይኹን?

-      ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዘለና ሕብረት ከመይ ዝበለ መልክዕ ይሕዝ ወ.ዘ.ተ” ኢሉ፣ ኣንፈታት ዘቐምጥ፣ ዓቕሚን ተገዳነትን ዘለዎ ሓደ ትርንዕ ዝበለ ስትራቴጂስት የብልናን፣ እንተሃለወ እውን ክሳብ ሐዚ ኣድማዒ ተፅዕኖ ክፈጥር ኣይከኣለን ማለት እዩ፡፡ እዚ ከም ህዝቢ ኣዝዩ ከተሓሳስበና ይግባእ፡፡ ድሕሪ ሐዚ ህ.ወ.ሓ.ት ክሓስበልና ክንፅበ የብልናን፡፡ ብስሩ እውን ነጻ ሖይኑ ሓሳባት ከመንጩ ዝኽእል ሰብ እዩ ዘድልየና፡ ኣብዚ ቐረባ እዋናት እዚ ተበግሶ ንምዕንፃል ይመስል ኣካል እቲ ሐዚ ዘለና ሕመቕ ዝኾኑ ገለ ተጠወርቲ ህ.ወ.ሓ.ታውያን ተኣኻኺቦም ሓደ ስማዊ ቲንክ-ታንክ ኣጣይሾም ከምዘለዉ ንሰምዕ ኣለና፡፡ ንሱ ንረሰዐዮ፣ ከምዘይህሉው ንቑፀሮ፡፡ የለን እውን፡፡

ክልቲኦም ዓበይቲ ዋኒናትና ካብ ወረቐት ናብ ህልውና ንምስግጋር ናብ ተግባር ንእቶ፡፡ ካብ ክልቲኦም ውሽጢ ድማ ምጥያሽ ሓደ ዓብዪ ጥንኩር ሚድያ ቅድሚት ክንሰርዖ ዝግባእ እዩ፡፡ ማእኸሉ ኣብ ወጻኢ ዓዲ ሓደ ዓብዪ ዓለም ለኻዊ መደብር ቴሌቭዥን ከነጣሽ ይግበአና፡፡ እዚ እቶም ካብ ደገ ዝመፁ ዘለዉ ናይ ሓሳብ ተጻብኦታት ንምክተሉ፣ ብኣውሩኡ ድማ ረብሓን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝጠቕሙ ስትራቴጂያዊ ሐሳባት ነሸራሽረሉ፤ ባህልና፣ ቋንቋና፣ መንነትና ንዕቅበሉ፣ ነማዕብለሉ፡፡

ብዙሓት ኣብ ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ኣሜሪካ) ዝነብሩ ተጋሩ “ሓደ ተገዲሱ ዘተሓባብር ኣካል ይጣየሽ፣ ሙሉእ ናይ ፕሮጀክት ፕሮፖዛል ይዳሎ እምበር ክንዲ ዝከኣለና ክንሕግዝ ኢና፤  ተሎ ናብ ተግባር ንእቶ” ይብሉ ኣለዉ፡፡ ተግራዋይ ንዝኣመነሉ ግዱስ፣ ቆራፅ እዩ፡፡ ሓደ ንቤተኽርስትያን ዝቐረበ ሰብ ኣብዚ ቐረባ እዋን እንታይ ኢሉኒ “ኣብ ኣውሮፓ፣ ኣውስትራልያ፣ ኣሜሪካ ዝነብር ትግራዋይ ካብቲ ጠቕላላ ኢትዮጵያዊ 5-10 % እንተኾነ እዩ፡፡ ዝገርመካ ግን ኣብ ዋሽንግተን፣ ኣውስትራልያ፣ ለንደን ወ.ዘ.ተ ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያናት መስርሒ ዝኸውን ልዕሊ 90 %ካብ ተጋሩ እዩ ተረኺቡ” ኢሉኒ፡፡ እዚ ናይ ተጋሩ ብልጫ፣ ሓለፋ እዩ- ውፉይነት (commitment)!

ርግፀኛ እየ እዚ ኩሉ ቆራጽ ትግራዋይ ሒዝና ገንዘብ ብዙሕ ሕማምናና ኣይኸውንን፡፡ ኣሽንኳይዶ ንዘኣመነሉ መኪንኡን ወርቁን ሸይጡ ዝህብ ውፉይ ህዝቢ ሒዝናስ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ትግራዋይ ብነብሲወከፍ  50 ወይ 100 ዶላር ኣዋፂኡ እውን ክልተ ሰለስተ ቴሌቭዥን ጣብያ ክሰርሕ ምኸኣለ፡፡ ሐዚ ዝገርም ምልዕዓል ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ክሳብ ሐዚ ተበግሶ ወሲዱ፣ ስርሐይ ኢሉ ዘተሓባብር ኣካል ብግቡእ ስለዘይተጣየሸ ግን ናብ ተግባር ክእቶ ኣይተኽኣለን፡፡ ኣብ ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ኣውትራልያ ወ.ዘ.ተ ዘለኹም ተጋሩ በጃኹም ተራኺብኩም ተዘራረቡ፤ ሓደ ዘተሓባብር ኣካል እውን ኣጣይሹ፤ ብቕልጡፍ ድማ ናብ ተግባር ንእቶ፡፡ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ዝጥር፣ ስኒ ዘለዎ ሚድያ ክኸውን እንተኾይኑ ኣብ ወጻኢ (ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓ፣ ወይ ኣውስትራልያ) እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ክጣየሽ የብሉን፡፡ ንግዚኡ ኢትዮጵያ ንኒ ቃና ጥራሕ እያ፡፡

ካብዘን ክልተ ዋኒናትና ዝኾነ ነገር፣ ዝኾነ ኣካል ናይ ትኹረት ኣንፈትና ከስሕተና፣ ከረሳስዐና፣ ንድሕሪት ክመልሰና ክንፈቅድ የብልናን፡፡ ብፍላይ ኣብ መዳይ ሚድያ ኣብ ቀረባ እዋን ብልቢ ቆሪጽና ናብ ተግባር ንእቶ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ፣ ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ኣውስትራልያ ወ.ዘ.ተ ካብ ዝኾነ ውግንና ነፃ ዝኾኑ (ዘይሻራዊ) መተሓባበርቲ ኮሚቴታት ይጠየሹ፤ ኣድላዪ ናይ ስራሕ መቖሎ ገይሮም ድማ ናብ ስራሕ ይተኣቶ፡፡ 

ግዘ የብልናን፣ ተሎ ናብ ተግባር ንእቶ፡፡

ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፣ ዕርፊ ኣፅንዕ…