ከም ውራየይን ጋሻአን ኮይነ …

እዛ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት "ናይ ሓባር ታሪኽ እንበር ናይ ሓባር መስዋእቲ ዘይነበራ ሃገር" ንነዊሕ ግዜ ብጸቢብነትን ትምኽሕትን ብሄራዊ ጭቆናን ክትሕመስ እያ ጸኒሓ: "ብቀሊሉ" ካብቲ ብሄራዊ ጭቆና ዘትረፎ ስንብራት ጸቢብነትን ትምክሕትን ኽትወጽእ ከአ አይትኽእልን። ፍጹም ለውጢ "መስርሕ እንበር ናይ ገለ ዓመታት ዕማም አይኮነን": ናይ ትማል ወለዶ ነዚ ተረዲኡ አብ ታሪኽ አፍሪቃ ንመጀመርያ ግዜ ዝተፈላለዩ ውድባትን ብሄራትን ዝሐቆፈ ጽምዲ (ኢህወደግ) ተኺሉ ንሃገሩ ካብዚ ማሕለኻ ብሄራዊ መግዛእቲ ካብ ዘናግፋ እነሆ ርብዒ ዘመን ሐሊፉ አሎ።

በዚ መንጽር ንጽምዲ ኢህወደግ ሎሚ ክዕዘቦ ከለኹ ሐለፋ ካልኦት አብ አፍሪቃ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት

ንላዕሊ (ማሓዙት ኢህወደግ ዓፋር፣ ሶማል፣ ጋንቤላ፣ ቤንሻጉልን ወሲኽካ) ንዝበዝሐ ክፍሊ ሕብረተ ሰቡ ከም ዝውክል እዩ። እዚ ማለት አብ ወሽጡ ጸገም የብሉን ማለት አይኮነን። ይትረፍ አብ ውሽጢ አርባዕተ ውድባት ዝሐቆፈ ጽምዶ (ግንባር): አብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፈን ግዜ ዝጠለቦን ህዝቢ ዝሐተቶን ብአግኡ ክፈትሖኦ እንተዘይኪኢለን ግድን እዩ ጸገም ክህልወን።

ብፍላይ አነ ንመትከል መባእታዊ ፖለቲካዊ መርሖ ብዓቅመይ ከም ዝተረዳእክዎ ልክዕ ከም ቆርበት አፍ ዑት እዩ: በቢ ግዚኡ ዕድሚኡ ምስ አኸለ ባዕሉ ብመገዲ ባህርያዊ ድፊኢት ቆርበቱ ዝቅይር!: ጽምዲ ኢህወደግ ልዕሊ 25 ዓመት አቊጺሩ አሎ። አብዞም ዓመታት እዚአቶም ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃገራውን ህንጸትን ማሕለኻታትን ሓሊፉ እዩ። እዚ ኹሉ ዓመታት ዘቊጸረ አተሐሳስባን ውዳቤን ክሕደስን ሰብአዊ ሃብቱ ክተኻኻእን ከአ ልክዕ ከም ባህርያዊ ድፊኢት ቆርበት አፍ ዑት እዩ። እንተዘይኮይኑ አሪጉ አሎ ማለት እዩ። ፖለቲካዊ እርጋን ከአ መገዲ ዕርበት እዩ።

ኢትዮጰያዊ ዲሞክራሲ…

እዚ ኤውሮጳዊ ፍልስፍና "ዲሞክራሲ" ዝበልዎ ካብ "ምዕራባዊ ጸቅጢ" ምዃኑ ሐሊፉ ንአፍሪቃ ዝጠቅም ጭብጢ እዩ ኢለ አይአምንን። እዚ ክብል ከለኹ ንአተጋባብርኡ እንበር ንትርጉሙ አይኮንኩን ዝገልጽ ዘለኹ። እዚ ምዕራባዊ ፈጠራ አብ ሐደ ሃይማኖት፣ ብሄር (ቀቢላ)፣ ማሕበራዊ አቋቅማ (ስልጣኔ) ኮይኑ: ፍልልይ አብ "ፖለቲካዊ አተሐሳስባ" ጥራይ እዩ ብግቡእ ከገልግል ዝኽእል። አብ ከም ኢትዮጰያ ዝአመሰላ ሃገራት ግን ምስ እዚ ኹሉ ፍልልያት (ብሄራት፣ ቀቢላታት፣ ቋንቋታት፣ ሃይማኖታትን) ማዕረ ዝኾናሉ ባይታ ምትካል ጥራይ እዩ ናተን "ዲሞክራስያዊ ማእከልነት" ወይ "ሚዛናዊ ምዕሩይነት" ክህልወን ዝኽእል። ነዚ ሐቂ እዚ ንምትካል እውን ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ክወስድ ዝኽእል መስርሕ እንበር ናይ ገለ ዓመታት ዕማም አይኮነን። ጽምዲ ኢህወደግ ከአ ብመንጽር ዝሐለፉ ገዛእቲ መርአያ አሃዱ "ሚዛናዊ ምዕሩይነት" እዩ።

ጸብለልትነት ወያነ…

ወየንቲ አብዛ ሃገርን አብ ወሽጢ ጽምዲ ኢህወደግ ብጸብለልትነት ካብ ዝሕመዩ አይወሐደን። እዚ ጸብለልትነት ግን ተጋዲሎም ተሰዊኦምን እንበር ዓሚጾም ዘምጽእዎ አይኮነን። ብስሩ ታሪኻዊ አመጻጽአ ኢህወደግ ብዘይ ወያነ ከመይ ኢሉ ክህሉ? ወየንቲ እንተ ዘይነብሩኸ! ኢህወደግ ምነበረዶ? እዚ ክብል ከለኹ እቶም ካልኦት ውድባት ንደርጊ ንምውዳቅ አብቲ  "ወሳኒ ግዜ" ተርኦም ወይ ግዲኦም ቀሊል ከም ዘይነበረ ዘንጊዐ አይኮንኩን። ሽሕ እኳ ደርግ አብ ኤርትራን ትግራይን ምስ ተሳዕረ እዩ አብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተሳዕረ ንበል: እቲ ጭብጢ እውን ንሱ ይኹን: እቲ 17 ዓመት ዝወሰደ ጉዕዞ ንሐርነት: ንበይና ንትግራይ ንምሕራር ዳርጋ 15 ዓመት ዝወሰደ: ንመላእ ኢትዮጵያ ንምሕራር ግን 2 ዓመት ጥራይ እዩ ወሲዱ። እዚ ከአ ብሰንኪ ደገፍ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ከመይሲ ነቲ ወየንቲ ዘበገስዎ ቃልሲ ከም ናቱ ገይሩ ስለ ዝተቀበሎ እዩ። አብዚ ጉዳይ ብፍላይ አብ ጽምዲ ኢህወደግ ዝነበራን ዘለዋን ውድባት አምሓራን ኦሮሞን ህዝብታት ደቡብን ዝተጻወትኦ ዕውት ተራ ከይጠቐስክዎ ክሐልፍ አይኽእልን።

ህዝቢ ትግራይ ንበይኑ ነቲ ዝነበረ ሰውራ አንጻር ብሄራዊ መግዛእቲ ናይ በይኑ ወጽዓ ጥራይ ገይሩ ንደርጊ እንተ ዝስዕሮ ነይሩ! "ሪግኡ ዝተጸበየ መላኺ ምኾነ": እዛ ሃገር ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ምስ ተሰጋገረት ኔይራ። ብዛዕባ ዓባይ ኢትዮጵያ ስለ ዝሐሰበ ግን ንነብሱ ምስ ካልኦት ዝተጨቆኑ አህዛብ "ጸሚዱ" ሐደ አብ ሐደ ከም ሐደ ኮይኑ ንጸላኢኡ ሲዒሩ። አብዚ ሁሞት እዚ ቀዳማይ ኮይኑ  እወ! ተራእዩ። ነቲ ሽዑ ደርጊ ምስ ወደቀ ዝተኸሰተ ናይ ስልጣን ባዶነት: ኢህወደግ ክትክኦ ከሎ ተጋደልቲ ወያነ አብ ስልጣን ክመጹ ባህርያዊ ነይሩ።

አብ ዝሐለፉ 25 ዓመታት ወየንቲ ወሳኒ ተራ ነይርዎም እንበር ንበይኖም ነዛ ሃገር አይመርሕዋን። አብ ዳግም ህንጸት ኢትዮጵያ (ህዳሴ) መራሕቲ ህውሐት ሐሳባቶም አብ ምጉናዕ ዓቢ ግደ ተጻዊቶም እዮም። አብ "ምሕደራ" እቲ ሐሳብ እዩ ጸብለል ዝብል እንበር እቲ ሰብ አይኮነን። ከምኡ ከአ "ብሉጽ ስራሕ" እንበር "ብሉጽ ሰብ" የልቦን። አብቲ ብሉጽ ስራሕ ግን ወየንቲ ዝርአዩ ተዋሳእቲ ነይሮም።

ብዓቢኡ ኸአ ህዝቢ ትግራይ ሓለፋ ካልኦት ክልላት ዝረኸቦ ጸጋ አሎ ድዩ? ብፍላይ ድሕሪ ወግእ ኢትዩ ኤርትራ መሬቱ ናይ ወግእ ዞን "ዞባ" ካብ ዝበሃልን እቲ "አይ ወግእ አይ ሰላም" ስትራቴጂ ኢትዮጵያ ካብ ዝእወጅን ቀሲኑ ደቂሱ ይፈልጥ ድዩ? ባህርያዊ ጸጋታቱኸ ከም ዝግባእ ረቢሑሉ ድዩ? ንምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ጸብለል ኢሉ እንተዝነብር ንብረቱ ተዘሪፉን ተዓሚጹን ተቀቲሉንዶ ካብ ሃገሩ ምስተፈናቀለ? አብዚ ከም ህዝቢ ክብረትን ደገፍን እንበር ዘርአዊ ጽልኢ ዘኸተሎ ዓመጻዊ ፍዳ አይግብኦን።

እዚ አብ ዝሐለፈ ወርሒ አብ ክልል አምሐራ ብፍላይ አብ ሰሜን ጎንደር ዝተራእየ ናብ ትግራዋይ ዘትከለ ዘርአዊ ዓመጽ: አተሐሳስባ ተረፍ መረፍ ቀዳሞት ገዛእቲ እንበር ናይ ህዝቢ አምሐራ ድልየት አይኮነን። እዚ ክስተት እዚ "ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ እንበር ንህዝቢ ትግራይ ዝምልከት አይኮነን"። እዚ ከአ ብፍላይ ክልላዊ መንግስቲ አምሐራን ፖለቲካዊ መሪሑን ንገበኛታት አብ ሕጊ አቅሪቡን ንዝወረደ ክሳራታት ብሐላፍነት ተሰኪሙን ንስድራቤት ግዳይ ዝኾኑ  ዝድበስሉ መገዲ ከናዲ ሐላፍነቱ እዩ።

ስሉጥ ለውጢ (ህዳሴ) ዝፈጥሮ ጸገማት… 

አብ አፍሪቃ ብቁጠባዊ ምዕባሌ  ቀዳማይ ደረጃ እትርከብ ሃገር አብ መገዲ ዕብየት ክትህሉ ግድን እዩ። ንጠለብ ህንጸት ሃገር ምስፍሕ ከተማታት፣ ብዝሒ ዝርግሐ ትሕተ ቅርጻን አብያተ ትምህርትን ሕክምናታትን ዘመናዊ ሕርሻን አካል ናይዚ ስጒሚ ንቅድሚት እዩ። ሐረስቶት ደቆም ንትምህርቲ ዝልእኽሉ እዋን፣ ደቂ አንስትዮ ብዓቅመን ነብሰን ዝኽእላሉ መድረኽ፣ መንእሰያት ንርሑቅ ከማዕድውን ዓለም አብ ቀረባ ዝኾነትሎም ግዜን ናይ‘ዛ ሃገር ስሉጥ ለውጢ ብቀሊሉ እትርእየሉ ዘመን እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ነዚ ለውጢ ዘይቅበል (ንኽቅበሎ ዘጸገሞ) ብሰንኪ ጸቢብ አተሓሳስብኡ (ሕማም ደሓር)፣ ብሰንኪ ግዚያዊ ረብሕኡ፣ ብሰንኪ ዘይምፍላጥን ድሕረትን፣ ብዓቢኡ ከአ ብሰንኪ ከተማታትን ትሕተ ቅርጻታትን እናሰፍሑ አብ መገዲ እዚ ዕብየት ንዘለዉ መሬት ሐረስቶት ክደልይዎም ክግደዱ ከለዉ: ሐረስታይን መሬትን ብዘለዎም ጽኑዕ ቃል ኪዳን ነዚ ጠለብ ስሉጥ ዕብየት ብቀሊሉ ዘይምቅባልን ተደማሚሮም ክፍጠሩ ዝኽእሉ ተቃውሞታት አካል ሞጎተ ስነ ዕብየት እዮም…

ፖለቲካዊ ደገፍን ተቃውሞን

አብ ስልጣን ዝርከብ ፖለቲካዊ ውድብ ድምጺ ህዝቡ ከይሰምዐ ዝተዓወተ ፍጹም የልቦን! እዚ ከአ ቅድሚ 25 ዓመት አብዛ ሃገር ሪኢናዮ ኢና።

አብቲ ህሞት እቲ ስርዓት ደርግ ክወድቅ ከሎ ደጋፊ አይነበሮን ማለት አይኮነን። እቲ ሰውራ ኢህወደግ ግን "ንደምን ስጋን" ዝፈላሊ መትከል ስለ ዝነበሮ ነቲ ሰዓቢ ደርግ ከም ሕማሙ ተቀቢሉ እዩ ክፍውሶ ዝጀመረ። እቲ ሕማም ግን ብቀሊሉ ክሐዊ አይከአለን…

መቸም! ከብድኻ ቆሲሉ ኢልካ ቀንጢብካ አይትድርብዮን…

ነዚ ሕማም መዝሚዞም ንፖለቲካዊ ረብሐኦም ክጥቀሙሉ ዝፍትኑ ውድባት ኮነ ወይ ናይ ግዳም ተጻብኦታት ንግዚኡ ነዛ ሃገር ክሐቊንዋ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዘላቂ ዓወት ግን ምስ ተቋወምቲ ወይ ደገፍቲ መንግስቲ ዘይኮነ ምስ "ህዝቢ" እዩ። እቲ "አብ ቅቡል ርሕቀት ዘሎ ህዝባዊ ፍልልያትን ጠለባትን" ምስትላዘበሉን ሚዛናዊ ፍታሕ ትረኽበሉን አካል ናይቲ ዘላቂ ዓወት ትኸውን። አማሲኡ ርግአትን ሰላምን ናይ ሐንቲ ሃገር ዝዕቀን ድልየት ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ምዝመርሖ ጥራይ እዩ።

ክብርታቶምን ነድርኦምን (ህልኾምን) እዋናዊ ድልየቶምን ንኽፈላልዮ ዘጸገሙኒ…

"ሐውኻ ሐሚሙ እንተደቀሰ ሐሰር ሒዝካ ብጽሐዮ" ዝመስል ቅሉዕ መጎተ ዝሐዙን ዝኾረዩን ገዳይም ተጋደልቲ (ናይ ሎሚ ሰብ ሃብቲ) ነዚ ጉዳይ መዝሚዞም (ብዘየገድስ አብዮትቶኦም) ናብ ወያነ ዘትከለ "ግዚኡ ዘይሐለወ" ፖለቲካዊ ወፍሪ የካይዱ ምህላዎም ከየሰከፈኒ አይሐለፈን። ምኽንያቱ ወገንካ ብዘርእነት እናተቀተለ የእዳውካ ናብ "ታሪኽካን" "አሃዱ ጻማኻን" አይተወጣውጦን ኢኻ: ሎሚ ብሓባር ነቶም ንህዝቢ ትግራይ ቆንጥዮም ዝበራረይሉን ቀሪቦም ዝጎጥይዎን ዝጻጺ መገዲ ምንዳቅ እዩ ቀዳምነት ዝነበሮ እዞም ሐደ ክልተ ስሙያት ግን ከምኡ ክገብሩ ይርእዮም የለኹን …

መሰረት ሃገርን ሃገራውነትን…

አብ አእምሮን ልብን ናይ ነፍስ ወከፍ ዜጋ: ሃገርን ሃገራውነትን ቀዳማይ ገዛኢ ቦታ ክሕዙ ይግብኦም። ንሃገርን ሃገራውነትን ዘቁሙ የዕኑድ ታሪኻውያንን፣ ክብርታትን፣ ባህልን፣ ሰብአዊ ሃብታን ምስ ሃይማኖታውነት፣ ብሄራውነትን፣ ፖለቲካውነት ጽሊእታት ክደዋወስ የብሉን። ስለ ዝኾነ አዩ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ ምህደራን ንሃገር "ሚዛናዊ ምዕርዩነት" እዩ: ንሃገራውነትካ ከአ ንስለአ እትኾኖን "ምቅሊት ናጽነትካን" እዩ።

በቲ ኾይኑ በቲ ኢትዮጰያ አብዚ እዋን አብ ምስግጋር (ብዘንተ ሞጎታዊ አበሃህላ) ብሉይ ኪዳንን ሐዲሽ ኪዳንን ትርከብ። አብዚ መስርሕ እዚ ኩሎም እቶም ግዚኦም ዝበልዑ ዱሑራት አተሓሳስባ በጨቅ በጨቅ ክብሉ ግድን እዩ። ምኽንያቱ አብ ሐዲሽ ኪዳን ከም ታሪኽን ዛንታን እንበር ክድገሙ ስለ ዘይኽእሉ። ሽሕ እኳ ጸቢብነትን ትምክሕትን ብዝተፈላለዩ መገዲ ዝኽሰቱ "አሉታዊ ርኽበት" ወዲ ሰብ ይኹኑ: እዚ ዱሑርን ምኩሕን ከም ውርሻ ዝጸንሐ ናይ ቀዳሞት ገዛእትቲ ግን አካል ብሉይ ኪዳን ኮይኖም አብ ሐዲሽ ኪዳን ዘይድገሙ ተርእዮታት እዮም።

ቸሩ ተስፋዝጊ