The Kurd Factor: Lessons to be taken
ብዛዕባ እዚ ክፅሕፍ ምስ ነብሰይ ብዙሕ ተኻቲዐ፤ “ሕሉፍ ጌጋን ቀፃሊ ዕፃን ናይቲ ካብ መረብ ንሰሜንን ንደቡብን ዘሎ ትግራዋይ ትግርኛ ብዝበለፀ ምስየንኡ ይመሳሰል?- ምስ ናይ ኩርዳውያን ምስ ናይ ሮማ/ጂፕሲ? ካብ ክልቲኡ ዝተፈለየ? ዝገደደ ወይስ ዝሐሸ?
ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ቁፅሪ ኩርዳውያን ካብ 30- 40 ሚልዮን ይግመት፡፡ ካብኡ 50 % ኣብ ቱርኪ ይነብሩ፤ 22 % ኣብ ኢራቅ፣ 22 % ኣብ ኢራን፣ 5 % ድማ ኣብ ሶርያ ይነብሩ፡፡ እዚ ማለት 20-25 % ካብ ህዝቢ ቱርኪ፤ 20 % ካብ ህዝቢ ኢራቅ፤ 10 % ካብ ህዝቢ ኢራን፣ 9 % ካብ ህዝቢ ሶርያ ኩርዳውያን እዮም ማለት እዩ፡

፡ ቀሊል ዘይብሃል ቁፅሪ ድማ ኣብ ኣርሜኒያ፣ ጆርጂያ፣ ኣዘርባጃን፣ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓ ወ.ዘ.ተ ይነብር፡፡
ኣብ መበል 7ይ ክ/ዘመን ቅድሚ ውልደት ክርስቶስ (ብ612) ኩርዳውያን ሜደስ ዝበሃል ኣብ ዓለም ስሙ ዝገነነ ንግስና ኣዊጆም ነይሮም፡፡ ኣብ ብሄራዊ መዝሙር ኩርዳውያን እውን እዚ ተንፀባሪቑ ንሪኦ፤ ሓደ መስመር እቲ መዝሙር "We are the children of the Medes and Kai Khosrow ይብል፡፡ 612 ቅ.ል.ክ ብብሄርተኛ ኩርዳውያን ከም መፈለምታ ዓመተ ኩርዳውያን ተገይሩ ይኽበር፡፡ እቲ ንግስና ግን ካብ 1 ክፍለ ዘበን ብዙሕ ኣይፀንሐን፡፡
ሓያል ንግስና ሜደስ ብዙሕ ኣይሰጉም እምበር ፅዕንቶ ውፅኢት እቲ ስልጣነ ዝኾኑ ሓዱሽ ባህሊ፣ ኣተሓሳስባን ብብዙሓት ናይዚ ዘመን ፈላስፋታት ብዙሕ ዝተዘረበሉ ውሩይ ሃይማኖትን Zoroastrianism ግን ብዙሕ ሰጒሙ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣሌክሳድር ዓብዪ ክሳብ ዝነግስ ናይ ኢራንን ከባቢኡን ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ፣ ባህሊን እምነትን ብዓብዩ ኣብ ትሕቲ ፅዕንቶ ኩርዳውያን ዝወደቐ እዩ ነይሩ፡፡
ኩርዳውያን ደሓር ሰይጁክ ዝበሃል ዓብዪ ንግስና መስሪቶም ነይሮም፤ ብ1169 ዓ.ም ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ድማ ብመሪሕነት እቲ ውሩይ ሳላሓዲን(Saladin) ኣዩቢድስ (Ayyubids) ዝበሃል ኣዝዩ ስሙ ዝገነነ ንግስና መስሪቶም፤ 1187 ናይ መስቀል ኲናት ንኹሎም ኣውሮፓውያን ሓይልታት ስዒሮም ንእየሩሳሌም ምስተቖፃፀሩ ክሳብ ግብፂ ዘሊቖም፣ መላእ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ዓረባዊ ዓለምን፣ ዝተረፈ እስላማዊ ዓለምን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ገይሮም ዓብዪ እስላማዊ መንግስቲ መስሪቶም፤ ንልዕሊ 1 ክ/ዘበን ናይ እስላማዊ ዓለም መራሕቲ እውን ኮይኖም፡፡
እቲ ንግስና ድሒሩ ብዝመፀ ብዝተሓባበረን ተደጋጋሚን ናይ TUrko-Mongolian ወራራት ክዳኸምን ክወድቕን ክኢሉ፤ ንግስንኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ሳፋይድ ዝበሃል ዓሌት ፐርሺያ ቁፅፅር ዝኣተወሉ ግዜያት ነይሩ፡፡
ካብ 15ይን 16ይን ክ/ዘመን ጀሚሩ ድማ ኩርዲስታን ንምቁፅፃር ድማ ንግስናታት ኦቶማንን ፐርሺያ(ፋርስ)ን ዝነሓንሑሉ ኩነታት ተፈጠረ፤ ብዘይካ ውሱን ካፋል ኩርዲስታን እቲ ዝበዝሐ ክፋል ምስ ግዝኣት ኦቶማን ቱርክ ተፀምበረ፡፡
እንተኾነ ግን ኣብ ትሕቲ ንግስና ኦቶማን ቱርኪ ኩርዳውያን ዓብዪ ናይ ስልጣን ጽዕንቶን ቦታ እዩ ነይሩዎም፤ ኣብ መላእ ኩርዲስታን መመሓደርቲ ኩርዳውያን ነይሮም፡፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ብፍቓድ ኦቶማን ቱርኪ ክፋል ኢራን፣ ፓኪስታን ይገዝኡ ነይሮም፡፡
እቲ ገዛኢ ደርቢ ዋላ ክሳብ ፓኪስታንን ኢራንን የመሓድርን ረብሑኡ የጓይይን እምበር ሃገረ-ኩርድ (ኩርዲስታን) ከም ሃገር ግን ህልውና ኣይነበራን፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኦቶማን ቱርኪ ወደቐት ናይ ባዕላ ነፃነት ዘይብላ ሃገር እያ ኮይና፡፡
እዚ ንገለ ግዱሳት ኩርዳውያን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ ነይሩ፡፡ “እቲ ኢሊት ምስ ኦቶማን ኮይኑ ረብሑኡ ክሕሉ ክወራዘ ኩርዲስታን ከም ሃገር የጥፍኣ ኣሎ፤ ኩርድ ከም ሃገር ደው ክትብል ኣለዋ፤ ኩርዳውያን መራሕቲ ምስ ኦቶማን ኮኖም ኣብን ኣብቲን ገዛእና ኣይትበሉ፤ እታ ኣብ ፅላሎት ኦቶማን ዘላ ሃገርና ተሓባቢርና ነፃነታ ነረጋግፅ፤ ሓንቲ ሙሉእ ሉኣላዊነት ዘለዋ ሃገር ኩርድ ንመስርት” ኢሎም ይመኽሩ ነይሮም፡፡ ካብዚኣቶም ሓደ እቲ ውሩይ ኩርዳዊ ገጣሚ Ehmede Khani እዩ፡፡ ብ1675 "Mem-o-Zin" ኢሉ ኣብ ዘውፀኣ ፀኒሓ ናይ ህዝቢ ኩርድ መዝሙር ዝኾነት ግጥሚ ብዛዕባ ካብ ፅላሎት ኦቶማን ወፂኦም ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ኩርድ ዳግም ምጥያሽ ትመክር፡፡ እታ ውሽጢ እታ ግጥሚ “I am puzzled by God’s wisdom; That, among all nations, has denied Kurds a state of their own!” ዝብል ትሕዝቶ ኣሎ፡፡ እቲ ገዛኢ ደርቢ ግን ረብሑኡ ከጓዪ ክብል ንናይኒ ካኒ ምኽሪ ዝሰምዐሉ እዝኒ ኣይነበሮን፡፡ ሎሚ ንዛ መዝሙር ዘይዝምር ኩርዳዊ የለን፤ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ሕመቕ መራሕቶም ኩርዳውያን ሎሚ እውን ሃገር የብሎምን፡፡
ኩነታት ብኡ እናቐፀሉ እናሃለዉ ናይ ፈረንሳይ ወያነ ተወሊዑ፡፡ እቲ ሪቮሉሽን ኣብ ኣውሮፓን መላእ ዓለምን ዓብዪ ናይ ብሄርተኛነት፣ ሃገራዊነት፣ መንነት ምንቅስቓስ እዩ ፈጢሩ፡፡ ብዙሓት ህዝብታት ድማ ካብ ናይ ካልኦት ፅዕንቶ ወፂኦም፣ ብብሄርን ቋንቋን እናተወደቡ ነፃ ሃገር ክስርቱ ዓብዪ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ጀመሩ፡፡ እዚ ምልዕዓል እዩ እምበኣር ንታ ሐዚ ዘላ ዓለም እውን ሐዚ ዘለ ቕርጻ ዘትሓዛ፡፡ ብዚ ስምዒት ዝተወደቡ ገለ ኩርዳውያን ሮዋንዱዝ እትብሃል ግዝኣት ኩርዲስታን መመሓደሪ ብዝነበረ ሚር መሓመድ እናተመርሑ ኩርዲስታን ከም ዳግማይ ነፃ፣ ጥርንፍቲን ሓያልን ገይሮም ክምስርቱዋ ቃልሲ ጀመሩ፡፡ እቲ ቓልሲ ካብ 1830- 1830 ዓ.ም ቀፂሉ ብንግስና አቶማን ቱርኪ ድማ ተሓምሺሹ፤ ኩርዳውያን ድማ ዝነበሮም ውሱን ነፃነትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ኩሉ ተሓዲጎም ናይ ኦቶማን ቱርኪ ግዙኣት ኮኑ፡፡
ካብ ናይ ፈረንሳይ ሪቮሉሽን ንደሓር ግዝኣት ኦቶማን ቱርኪ ርግኣት ኣይረኸበን፡፡ ኣብ ኩርዲስታን ድማ ዋላ እቲ ናይ ኩርዳውያን ቀንዲ ዓመፅ ብ1839 ይሓምሽሾ ካብ 1847 ክሳብ ድማ 1881 ብተፈላለዩ ኸባቢያዊ መራሕቲ እናተመርሐ ክካየድ ፀኒሑ እዩ፡፡ ብ1880 ብSheik Ubeydullah ዝምራሕ ኩርዳዊ ዓመፅ ኣንጻር ካሊፌታዊ ኦቶማን ቱርኪ ሱልጣን ኦቶማን ዝነበረ Abdul Hamid ዳግም ሓምሺሹዎ፡፡ ንግስና ኦቶማን ቱርኪ ክሳብ ሰሜን ኣፍሪካን ኤስያን ዝዝርጋሕ ዝነበረ ኣዝዩ ሰፊሕ ግዝኣቱ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ተመሳሳሊ ዓመፅ የጋጥሞን ብሓይሊ ይሕምሽሾን ነይሩ፡፡
እቲ መሪሕነት ግን ቀስ ብቐስ ንገለ ኩርዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣባላት ገዛእቲ ደርቢታትን ብሃማኖትን ብጥቕሚን ክገዝኦም ፈቲኑ፡፡ ገሊኦም ኤሊታት ኩርድ ንዳግማይ ህንፀት ኩርዲስታን እንትቃለሱ ገሊኦም ድማ ካብ ኦቶማን ረኽቡዎ ዓስቢን ጥቕማ ጥቕሚን ዓብዩዎም ሕብረት ሰኣኑ፡፡
እምበኣር ኩርዳውያን ኣብዚ ዝተኸፋፈለ ስምዒት ውሽጢ እናሃለዉ እዮም ቀዳማይ ኲናት ዓለም ደበኽ ዝበለ፡፡ ናይኒ ጣልያንን ጀርመንን ወገን ዝነበረ ኦቶማን ቱርኪ ድማ ብኒ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ ተሳዒራ፡፡ ኦቶማን ኢምፓየር እውን ክፈርስ ብ1918 ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕነት ተገበረ፡፡
ብዚ መሰረት ኩርዳውያን እውን እታ ዝሓለሙዋ ነፃ ሃገር ኩርዲስታን ክምስርቱ ዕድል ተፈጠረ፡፡ እቶም ደለይቲ ነፃነት ቀልጢፎም ተወከልቲ መሪጾም ኣብ ቨርሳይልስ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ "the claims of the Kurdish nation" ተባሂሉ ዝፍለጥ ጥርዓኖም ንዓለም ኣቕረቡ፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ቕድም ኢሉ ዝተገለፀ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን ሕብረት ምስኣንን ቀፂሉ እዩ፡፡ ብፍላይ እቶም ሃይማኖት መራሕቲን ገለ ተዓሰብቲን ንኦቶማን ሱልጣን ተኣዛዚ ዝኾነ፣ ብኦቶማን ዝምራሕ ካሊፌት ኢና ንደሊ ይብሉ ነይሮም፡፡

ብ1920 ኣብ ሞንጎ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ አሜሪካን ኦቶማን ቱርኪን “The International Treaty of Sèvres” ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕሊ ፈፀሙ፡፡ ኣብቲ ውዕሊ section 111 (art. 62-64) ብዛዕባ ምፍቃድ ምስረታ ሃገር ኩርዲስታን ብግልፂ የቐምጥ፡፡
እቲ ናይ ሃይማኖትን ባህላዊ ኣመራርሓን ክፋል ማሕበረሰብ ኩርድ እዚ ናይ ክርስትያን ኣሻጥር እዩ፤ ሃይማኖትና ከጥፍኡ ስለዝደለዩ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ እስላማዊት ካሊፌት ግዝኣት ኦቶማን ሱልጣን ምዃን ይሐሸና ዝብል ሰፊሕ ጎስጓሱ ቀፀለ፡፡ ህዝቢ ኩርድ ድማ ሕብረት ስኣነ፡፡
ንዚ ዝተዓዘበ ናይ ኦቶማን ቱርኪ ሱልጣን ሙስጠፋ ከማል ድማ ኣብ ትሕቲ ኦቶማን ቱርኪ ክፀንሑ ውሽጣዊ ስራሕቱ ቀፀለ፡፡ Mustafa Kemal Ataturk ብ1922 ዓ.ም ምስ ግሪክ ኲናት ገጢሙ ስለዝሰዓረ ናይቲ ሱልጣን ሓይሊን ተሰማዕነትን እናወሰኸ ከደ፡፡ ኣብቲ እዋን ሱልጣን ከማል ብሩስያ፣ ፈረንሳይን ጣልያንን ይሕገዝ ነይሩ እዩ፡፡ ብ1921ን 23ን ኣብ ሉዜን ዳግማይ ብዝተፈረመ ሓዱሽ ውዕሊ እቲ ቕድሚኡ ኣብ Sèvres ዝተፈረመ ውዕሊ ክፈርስ፣ እቲ ብዛዕባ ምስረታ ኩርዲስታን ዝነበረ ሐሳብ ክስረዝ ተገይሩ፤ ፡፡ ብስሩ እውን ግዝኣታት ኩርዲስታን ንቱርኪ፣ ንፈረንሳይ፣ ሶርያን ኢራንን ክከፋፈልኡ ተወሲኑ፡፡ እታ ብሃፍቲ ነዳዲ ሃፍታም ዝኾነት ግዝኣት ኩርዲስታን ዝኾነ ሞሱል ድማ ብ1925 ዓ.ም.ፈ እንግሊዝ ካብ ሊግ ኦፍ ነሽንስ ተረኪባታ፤ እቲ ህዝቢ ግን ነጻነቱ ከምዝደሊ ዳርጋ ብሙሉእ ድምፂ እዩ ወሲኑ ነይሩ፡፡ እንግሊዝ ንዚ ግዝኣት ብ1932 ዓ.ም ንኢራቅ ሂባታ፡፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ፈረንሳይ ዝነበረ ድማ ንሶርያ ተዋሂቡ፡፡ ስለዚ 1925 ዓ.ም.ፈ ኩርዲስታን ንኣርባዕተ ሃገራት ተኸፊላ ተዋሂባ ማለት እዩ- ቱርኪ፣ ኢራቅ፣ ሶርያ፣ ኢራን፡፡ ብኡ ድማ ህልውናኣ፣ ባህላ፣ ቋንቁኣ፣ መንነታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ኣብቂዑ!

እዚ ህዝቢ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ተኸፋፊሉ፤ መንነቱ፣ ነፃነቱን ክብሩን ተመንዚዑ፤ ህልውንኡ ተኻሒዱ ትሕቲ ሰብ ክነብር ዝተገደደ ብኣውሩኡ ናይ መራሕቱ ሕመቕ፣ ኣርሒቕኻ ዘይምእማት፣ ብግዚያዊ ረብሓ ምትላልን ስሰዐን ዝወለዶ እዩ፡፡ መራሕቱ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 4 ሚእቲ ዓመታት ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ብተደጋጋሚ ብዝፈፀሙዎ ስትራቴጂያዊ ጌጋታት ህዝቢ ኩርድ ብዙሕ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ፤ ገና ዝገደደ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ኩርድ ግን ምስ ገለ ሓላፍ ዘላፉ ኣብ ዝሓለፉ መዋእላት ብዝሰርሖም ጌጋታት ከይተሰኮነ ናይ ትማሊ ጌጋ ንምእራም ይቃለስ ኣሎ፡፡
እስቲ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ዝተበታተኸ ህዝቢ ኩርድ ዘለወሉ ህሉው ኩነታትን ዘካይዶ ዘሎ ቓልሲን ንርአ፤
- ቱርኪ፡ ናይ ሎሚ ቱርኪ ኩርዳውያን ኣዝዮም ዝጋፍዑላ፣ መሰሎም፣ ክብሮም ኩሉ ተመንዚዖም ትሕቲ ሰብ ዝነብሩላ ሃገር እያ፡፡ ብ1920ታት፣ 1930ታት ህዝቢ ኩርድ ዝወለዖ ህዝባዊ ናዕቢ ንምጉዕፃፅ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተቐቲሎም እዮም፡፡ ጭቆና ዝበዝሖ ህዝቢ ኩርድ ብመሪሕነት ዓብደላ ኦቻላን ብ1978 The Kurdish Worker’s Party (PKK) ዝበሃል ማርክሳዊ ሌኒናዊ ስነ-ሐሳብ ሒዙ ዝተልዓለ ንሓርነት ህዝቢ ኩርድ ዝቃለስ ተቓላሲ ውድብ መስሪቱ፡፡ PKK ብመንግስቲ ቱርኪ፣ ብሕብረት ኣውሮፓ፣ ብኣሜሪካ ብናይ ራዕዲ ጉጅለነት ዝተመዝገበ እንትኀውን ኣብ ሞንጎ PKKን መንግስቲ ቱርኪን ኣብ ዝገበረ ኲናት ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 40 ሽሕ ኩርዳውያን ተቐቲሎም እዮም፡፡ መንግስቲ ቱርክ ብዝወደቦ ናይ ወደኒ ቕትለታዊ ጉጅለ ብዝተኻየደ ምሽጥራዊ ቅትለት 3200 ፍሉጣት ምሁራት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሲቪል ኣክቲቪስትስ ወ.ዘ.ተ ኩርዳውያን ተቐቲሎም እዮም፡፡ ዓብደላ ኦቻላን ብ1999 ኣብ ናይሮቢ ብምትሕብባር CIAን ናይ ቱርኪ ናይ ስለላ ክፍሊን ተታሒዙ ተኣሲሩ፡፡ ቃልሲ ህዝቢ ኩርድ ግን ሐዚ እውን ደው ኣይበለን፡፡
- ሶርያ፡ ሶርያ ኩርዳውያን መሰሎም፣ ክብሮም፣ ስብእንኦም ተዋሪዱ፣ ትሕቲ ሰብ ኮይኖም ዝነብሩላ ሃገር እያ፡፡ ኣብ ሶርያ እናነበሩ ሶርያዊ ዜግነት እውን ዝተኸልኡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዜግነት ኣልቦ ኩርዳውያን ኣለዉ፡፡ ብ1960ታት ዝጀመረ ንኩርዳውያን ዓረባዊ ናይ ምግባር ትልሚ መንግስቲ ሶርያ ኩርዳውያን መሬቶም ተሓዲጎም መሬትኣልቦ ኮይኖም እዮም፡፡ ቅድሚ እዚ ሐዚ ተወሊዑ ዘሎ ዓመፅ ምውልዑ መብዛሕቲኦም ኩርዳውያን ኣብ ከባቢታት ደማስቆ፣ ኣሌፖ፣ ኮባን፣ ኣፍሪን፣ ቃሚሽሊ ዝብሩ እዮም ነይሮም፡፡ ኩርዳውያን ንዝሐሸ መሰል፣ ንሓርነት ዝገበሩዎም ኩሎም ቃልስታት ብመንግስቲ ደማስቆ ተጨፍሊቖም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣደዳ ጥይት መንግስቲ ሶርያ ኮይኖም፡፡ ኣብ ሶርያ ዝነብሩ ኩርዳውያን ብ2003 ዓ.ም.ፈ The Democratic Union Party (PYD) ዝብል ብመንግስቲ ሶርያ ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ ፓርቲ ዘጣየሹ እንትኸውን The People’s Protection Units ( YPG) ድማ ናይ ምልሻ ክፍሉ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ISIL ድማ ቀሊል ዘይብሃል ሓደጋ ዘብፅሕ ዘሎ ተዋጋኣይ ክፍሉ እዩ፡፡
- ኢራን- ኢራን ኣብዚ ሰዓት እዚ ብንፅፅር ኩርዳውያን ኣንጻራዊ መሰል ረኺቦም ዝነብሩላ ሃገር እያ፡፡ ብ1946 ዓ.ም ኩርዳውያን ብPDKI እናተመርሑ ብሓገዝ ሩስያ ሪፓብሊክ ማሃባድ ኢሎም ነፃ ሃገር ክምስርቱ ፊቲኖም ነይሮም፤ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብዙሕ ደም ፈሲሱ ብኢራን ተሓምሺሹ ቅሂሙ ተሪፉ፡፡
- ዒራቅ፡ ኣብ ዒራቕ ዝነብሩ ኩርዳውያን መዋእሎም ሙሉእ ብጭቆናን መከራን ዝተመልአ እዩ ኮይኑ ፀኒሑ፡፡ ኩዳርውያን ብ1919 ፣1923ን ብ1932ን ኣንፃር እንግሊዝ ኣብ ዝገበሩዎ ዓመፅ ብዙሕ ግፍዒ፣ ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀር መቕተልቲ በፂሑዎም፡፡ ኩርዳውያን ኣብ ኢራቅ ኣብ ከባቢ እታ ዓብዪ ናይ ጋዝ ሃፍቲ ዘለዋ ሞሱልን ከባቢኣን ዋላ ይንበሩ ናይ ሃፍቶም ተጠቀምቲ ከይኮኑ እዮም ፀኒሖም፡፡ በ1988 ዓ.ም.ፈ ናይ ዒራቕ መራሒ ዝበረ ሳዳም ሑሴን ኣብ ልዕሊ ዝሐሸ ውክልናን ናይ ሃፍቶም ተጠቀምቲ ናይ ምዃን ሕቶ ዘቕረቡ ኩርዳውያን ኣብ ከተማ ሃላብጃ ብዘብፀሖ ናይ መርዛም ጋዝ መጥቃዕቲ ልዕሊ 5000 ህዝቢ ብሰዓታት ሃሊቑ እዩ፡፤ ካብ ናይ 1991 ናይ ገልፍ ኲናት ንደሓር ከባቢታት ኩርድ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕቡራት መንግስቲ ተገይሩ፡፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ናይ ዒራቕ ኩርዳውያን ዝሐሸ ነፃነት ኣለዎም፤ ብመስዑድ ባርዛኒ ዝምራሕ The kurdish Democratic party ገዛኢ ውድብ The Kurdistan Regional Government (KRG) ሓውሲ ነፃ (semi-autonomous) መንግስቲ ኣጣይሹ ይርከብ፡፡ Peshmerga ድማ ናይ ዒራቕ ኩርዳውያን ተዋግኢ ሓይሊ ኮይኑ ምስቶም ካልኦት ኩርዳውያን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ዳዒሽ ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ዘብፅሕ ዘሎን ኣንፃር ዳዒሽ ካብ ዝተወደቡ ተዋጋእቲ ሓይልታት እቲ ኣንፀባራቒ ዓወት ዘመዝግብ ዘሎ ውጽኢታዊ (most effective) ሓይሊ እዩ፡፡
ህዝቢ ኩርድ ሐዚ ድማ ሓዱሽ ፀላኢ ተፈጢሩሉ ኣሎ- ISIL፡፡ 75% ህዝቢ ኩርድ ሰዓቢ ሃይማኖት ሱኒ እስልምና እንትኸውን ድማ እቲ ዝተረፈ 25 % ድማ ሰዓቢ ሃይማኖታት ክርስትና፣ ሺዓ እስልምና፣ ዞራስተሪያኒዝም፣ ካልኦት ባህላዊ ሃይማኖታት ወ.ዘ.ተ እዩ፡፡ ዋላኳ 75 % እቲ ህዝቢ ሱኒ እስላም ይኹን እምበር ግዳይ እቲ ግንባር ሽበራ ካብ ምዃን ኣይድሓነን፡፡ ገለገለ ተንተንቲ ኣብ ሞንጎ ዓረብን ኩርድን ዝፀንሐ ዘይምቅድዳው ህዝቢ ኩርድ ቀንዲ ግዳይ ከምዝገበሮ ይገልፁ፡፡ ክሳብ ሐዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኩርዳውያን ግዳይ ናይዚ ግዙፍ እስላማዊት ካሊፌት ክምርት እናበለ ህይወት ደቂ ሰባት ብኸንቱ ዘጥፍሕ ሓራዲ ናይ ራዕዲ ጉጅለ ኮይኖም እዮም፡፡ ንኮባኒ ሓዊሱ ማእለያ ዘይብሎም ከተማታትን ቁሸታትን ኩርዲስታን እውን ተባሪዐን እየን፡፡
ብኻሊእ ሸነኽ ድማ እዚ ኣጋጣሚ ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ንኩርዳውያን ሓድነቶም ዘደልደለን ናይ ትማሊ ጌግኦም ኣሪሞም ሓንቲ ሃገር ኩርዲስታን ዳግም መሊሶም ከጣይሹ ክሰርሑ ዝገበረን እዩ፡፡ ተበታቲኖም ዝነበሩ፣ ሓለሓሊፉ ድማ ኣብ ምትፍናን ዝነበሩ ኩሎም ሓይልታት ኩርዳውያን ህልውንኦም ንምውሓስ ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ብሓደ ደው ዝበሉሉ፣ ሕብረቶም ዝሓየለሉ እዋን ኮይኑ ኣሎ፡፡ እነሆ ድማ ካብ ዝኾነ ሓይሊ ንላዕሊ ሑቐ እቲ ግብረ ራዕዲ ዳዕሽ/ISIL ኣብ ምስባር ዝዓዘዘ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ፤ ብሕብረት ኣብ ትሕቲ ዳዒሽ ኣትዮም ዝነበሩ ከባቢታቶም ነጻ ኣውፂኦም፤ ዳግም ድልድልቲን ሓድነታ ዘረጋገፀትን ኩርዲስታን ብዛዕባ ዘጣይሹሉ ኩነታት ድማ ክዛተዩ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡
ናብዚ ንምፃእ እስቲ…..ህልውናን ዘላቒ ረብሓን ክልቲኡ ትግራዋይ ህዝቢ
ካብ መረብ ንደቡብን ንሰሜንን ዘሎ ትግራዋይ ህዝበ-ኣግኣዝያን፣ ትማሊ ብሓደ ኾይኑ ካብ ዓለም ካብቶም ብእዋኑ ዝነበሩ 5 ዓበይቲ ስልጣነታት ሓደ ዝኾነ ስልጣነ ኣኽሱም ዝመስረተ ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ ህዝቢ ኣብ መዋእሉ ዘመዝገቦም ዓወታት ኩሎም ሳላ ሓያል ሓድቱ፣ ሰላ በላሕቲ ሰብ-ራኢ መራሕቲ ኣያታትና እዩ፡፡ እዚ ህዝቢ ማእኸሉ ኣኽሱም፣ ወደቡ ኣዱሊስ ገይሩ፣ ግዝኣቱ ክሳብ ደቡብ ዓረብያ፣ ኑብያ፣ ግብፂ ኣስፋሕፊሑ ዓለም ዝገረመ ስልጣነ ዝሃነጸ ሳላ ሓድነቱ እዩ፡፡ እዚ ህዝቢ ደሓር ድማ ብሓደ ኮይኑ በብእዋኑ ንዝተልዓሉ ክጎብጡዎ ዝተልዓሉ ሓይልታት ስዒሩ፣ ንኩሎም ተፃብኦታት በዲሁ፣ መንነቱን ክብርታቱን ዓቂቡ ንብዙሓት ዘመናት ተጓዒዙ ነይሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ 120 ዓመታት ግን ውሽጣዊ ሕመቑ ዝተበለፁ ግዳማዊ ሓይልታት ኣንፈት ታሪኹ ናብ ካሊእ ኣንፈት ክጉዓዝ ብዝፈሓሱዎ ውዲት ተጠሊፉ ዝተረፈ ይመስል፡፡ ኣብዚ ብዙሓት ነናይ ባዕሎም ድሌት ዘለዎም ሓይልታት ዝተዋስኡ እንትኸውን ቀንዲ ተዋሳእቲ ግን ሚኒሊክ፣ ጣልያን፣ ሮማዊ ቤተ-ክርስትያን፣ ዓረባዊ ሓይልታት ንምዃኖም ብዙሕ ምርምር ዘድልዮ ኣይኮነን፡፡ ንግዚኡ እቲ ዝርዝር ክገድፎ፤ ብኣውሩኡ ድማ ኣብ ናይ ታሪኽ ተፃብኦታት ሰሓቦ ጉተቶ ክንብሃሃል ዘይኮነስ ሐዚ ዘሎ ህሉው፣ ግሁድ፣ ብዓይኒ ዝጭበጥ፣ ብኢድ ዝድህሰስ ናይ ክልቲኡ ትግራዋይ ህዝቢ ህልውናን ዘላቒ ረብሓን ከመይ ነረጋግፅ ዝብል ሰፊሕ ዛዕባ ሒዝና ክንዘራረብ እዩ፡፡
እቲ ዛዕባ ሰፊሕ ምስ ምዃኑ ኣብ ኤሊታት ክልቲኡ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ ዘለዉ ህልውንኡ ብዘላቕነት ዝፈታተኑ፣ ብእዋኑ ክእረሙ ዘለዎም ግጉያት ኣረኣእያት ክንፍትሽ መሪፀ፤
ብወገን ኤሊታት ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራውያን ክልተ ፀገማት ንረክብ፤
1. ብወገን ኢሳያስ/ ህግደፍ/ሸዓብያ፡
ኣብ ኤርትራ ካብ 1940ታት፣ 50ታት ጀሚሩ ዝተወለዐ ቓልሲ ብኣውሩኡ ኣብ ሰለስተ ናይ ሓሳባት ዓንኬል፤ 1) ምስ ኢትዮጵያ ምፅምባር፣ 2) ትግራይ ትግርኚ ዳግም ምጥያሽ፣ 3) እስላማዊ ካሊፌት ምጥያሽ ወይ ምስኒ ሱዳን ምፅምባር (ራቢጣ እስላሚያ)፡፡ ኢሳያስ ካብ ንጉስ ሃይለስላሰ ተልእኾ ተቐቢሉ ናብ ጀብሃ ተፀምቢሩ ናብ መሪሕነት ኣብ ዝመፀሉ እዋን ግን ብሰንኪ ምፍራስ ፌደረሽንን ሃይለስላሴያዊ ዲክታተርሲፕን እቲ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርና ንንበር ዝብል ስነ-ሓሳብ ቅሂሙ፤ ስነ-ሓሳባት ትግራይ-ትግርኚን ምስረታ ራቢጣ አል ኢስላሚያን ጥራሕ ገዛእቲ ኣተሓሳስባታት ኮይኖም ዝነበረሉ ሰዓት እዩ፡፡ ኢሳያስን መሓዙቱን ንዞም ክልቲኦም ኣተሓሳስባታት ወቒዖም ካብ ክልቲኦም ኣተሓሳስባታት ፍሉይ ዝኾነ ኣይዲዮሎጂ እዩ ሒዙ መፂኡ- ምስረታ ሓዱሽ ኤርትራዊ ሃገራውነት፤ እዚ ድማ 9 ዝተፈላለየ ቋንቋ፣ መንነት፣ ሃይማኖት ዘለዎም ብሄራት ኤርትራ ጨፍሊቕካ ሓደ ኤርትራዊ ዝብል መንነት ምፍጣር እዩ፡፡ እዚ ኣይዲዮሎጂ ካብቲ ናይቶም ፈለምቲ መስረቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ህዝበ ትግርኛ ኣቦታት በዓል ወልደኣብ ወልማርያም፣ ኪዳነ ክፍሉ ወ.ዘ.ተ ስነ-ሓሳብ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግን ኢሳያስን መሓዙቱን ዝቕተል ቀቲሎም፣ ዝእሰር ኣሲሮም ምስዛ ኣይዲዮሎጂ ተጣቢቖም 50 ዓመት ሓሊፉዎም፡፡ ኢሳያስን መሓዙቱን መንግስቲ ምስኮኑ እውን ዳርጋ ፍርቂ ሃፍቲ ኤርትራ ሰሊዖም፣ ዓብዪ ናይ ሓዱሽ መንነት መፍረዪ ማእኸል (social engineering center) እዮም ሃኒፆም፡፡ ኣብ ዓለም እቶም ጎሊሆም ዝወፁ ኣብነታት ኣብ ሩስያ ዛሪስት ሩስያ ናብ ሓዱሽ ሩስያዊነት ንምልዋጥ ዝተገበረ ና 1920ታት ሶሻል ኢንጅነሪንግ፤ ኣብ ካምቦድያ ብካሜር ሩዥ ፓርቲ ዝተገበረ ብመራሒኡ ፖልፖት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካቦድያ ዝተገበረ ሐዱሽ መንነትን ሕብረተሰባዊ ባህልን ባህሪን ንምልዋጥ ዝተገበረ ስራሕቲ ወ.ዘ.ተ ብዙሕ ተዘሪቡሎም እዩ፡፡ ኣብ ጀርመን ብናዚ ዝተኻየደ ፕሮፖጋንዳ እውን ውሱን ናይ ሶሻል ኢንጅነሪንግ ትህዝቶ ነይሩዎ እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ብሸዓብያ ዝካየድ ዘሎ መንግስታዊ ናይ ሶሻል ኢንጅነሪንግ ድማ ኣብዚ ዘመን ይካየዱ ካብ ዘለዉ ሶሻል ኢንጅነሪንግታት እቲ ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ዘለዎ እዩ፡፡ ሸዓብያ ሳዋ ዝበሃል ዓብዪ ማእኸል ከፊቱ ሓዱሽ ኤርትራዊ brand መንነት/ሃገራውነት ክፈጥር ልዕሊ 25 ዓመት ናይ ንግስና ዓመታቱ ላዕልን ታሕትን ኢሉ እዩ፡፡
ዊኪፒድያ ሶሻል ኢንጅነሪንግ ከምዚ የቐምጦ፤ “Social engineering is a discipline in social science that refers to efforts to influence partcular attitudes and social behaviors on a large scale, whether by governments, media or private groups in order to produce desired characteristics in a target population. Social engineering can also be understood philosophically as a deterministic phenomenon where the intentions and goals of the architects of the new social construct are realized”.
እንተኾነ ግን ናይ Social engineering ፈተናታት ኣብ ዝኾነ ዓለም ተሳኺዖም ኣይፈልጡን፤ ከይዶም ከይዶም ፈሸልቲ እዮም፡፡ ሸዓብያ ብቲ በዓል ጣልያን፣ ካቶሊካዊት ቤተ-ኽርስትያን ሮም፣ እንግሊዝ፣ ሚኒሊክ ዝኸፈቱሉ መንገዲ ቀፂሉ፣ ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ በጀት ሃገሩ ሰሊዑ ዓብዪ ማእኸል social engineering ከፊቱ ዘካየዶ ናይ 25 ዓመት ፕሮጀክት እውን ብተመሳሳሊ ዝፈሸለ ምዃኑ ንምርዳእ ዓብዪ ሳይንሳዊ ምርምር ዝሓትት ኣይኮነን፡፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውነት ዝብል ሓዱሽ መንነት ኩሉ ንቡር መንነት ክቕህም፣ ክመክኽ (melt down)፣ ክጠፍእ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ስቕ ኢሉ ናይ ዓሻሹ ትፅቢት እዩ፤ ሓደ ሙስሊም ራሻይዳ፣ ቤጃ፣ ቤንዓሚር፣ ናራ ካብቲ ኣብ ቀረብኡ ዘሎ ክርስትያን ኣከለጉዛይ ወይ ሰራየ ኣብ ፓኪስታን ንዘሎ ሙስሊም ናይ ሃይማኖት ሓው ከምዝፈቱ ዘይርዳእ ሰብ እንተሃልዩ ኣነ ናይ ኣእምሮኡ ጥዕና እየ ክጠራጠር፡፡
ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ሸዓብያ ኣብ ትግራይ ዝስዕቦ ፖሊሲ ድማ ካብ ሓደ መትከል ዝብገስ እዩ፤ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ትግራዋይነት ንቲ ንሱ ዝደልዮ ምፍጣር ሓዱሽ ኤርትራዊ መንነት ምፍጣር ክፃባእ ኣይደልዮን፡፡
ስለዚ ድማ፤
- ሓደ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘይቋረፅ ቀዋሚ ናይ ፅልኢን ቅርሕንቲን ስምዒት ክፍጠርን እቲ ህዝቢ ብቐዋሚነት ኣብ ምትፍናን ክነብርን ይደልዮ፤
- ካልኣይ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ትግራዋይ መንነት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያዊነት ተጨፍሊቑ፤ ብባህሊ እቶም ዓበይቲ ብሄራት (ብፍላይ ብባህሊ ኣምሓራ) ተዋሒጡ ቅሂሙ ክጠፍእ ይደልዮ፤
ብሓፈሻ፣ ኢሳያስ ኣብ ክልቲኡ ትግራዋይ ዘለዎ ዕላማ እንትንፍትሾ- ንቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ትግራዋይ መንነት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያዊነት ተጨፍሊቑ፣ ሃሲሱ፣ ብባህሊ ኣምሓራ ቅሂሙ ክተርፍ፤ ንቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ትግራዋይ መንነት ድማ ገሊኡ ኣብ ኤርትራዊ መንነት ተዋሒጡ፣ መኺኹ ክጠፍእ፤ ንገሊኡ ድማ ብፍልሰት ፋሕፋሕ ኢሉ ክጠፍእ፤ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ድማ ዘይቋረፅ፣ ቀዋሚ (continuous) ፅልኢ፣ ቅሕንቲ፣ ምትፍናን (antagonism enemity) ምፍጣር ኮይኑ ንረኽቦ፤

2. ካብ ሸዓብያ ወፃኢ ዘለዉ ኤሊታት ኤርትራ ድማ፤
ውሑዳት ምሁራት ኤርትራያውን ተጋሩ ታሪኾም ፈቲሾም፤ ናይ ክልቲኡ ትግራዋይ ህልውናን ዘላቒ ረብሓ ኣዝዩ ዝተኣሳሰሩ ምዃኑ ተገንዚቦም፤ ብስሩ እውን ፅባሕ ከጋጥም ዝኽእል ኣንፀላሊዩ ዘሎ ሓደጋ ተረዲኦም እቲ ሓቂ ህዝቢ ክፈልጦ ዝገብሩ፣ ንክልቲኡ ካብ መረብ ንደቡብን ንሰሜንን ዘሎ ትግራዋይ ዝረብሑ፣ ቀፃሊ ህልውንኡን ረብሓታቱን ዘረጋግፁ ስትራቴጂያዊ መፍትሒ ሓሳባት ዘቐምጡ ዘለዉ ኣለዉ፤ እቶም ዝበዝሑ ግን እዚ ህዝቢ ደሓን ከምዘየሎ፣ ሓደጋታት ኣንፀላሊዮምዎ ከምዘለዉ ብውሱን መልክዑ ዋላ ብዕሊ ዝርድኡ እንተኾነ ኣብ መፍትሒ እንትመፅኡ ግን ብቲ ናይ ኢሳያስን መሓዙቱን ናይ 9 ብሄራት ኤርትራዊ ሃገራውነት ብብዙሕ ዝተፀለዉ እዮም፡፡ ብስሩ እውን ናይኒ ስዑዲን ኳታር ምትእትታው፣ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ እስላማዊ ጂሃዳዊን ምንቅስቓሳትን እስላማዊት ካሊፌት ናይ ምምስራት ባህጊ ከይዱ ከይዱ ናበይ የምርሕ ከምዘሎ፣ እዚ ትግራዋይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ከጋጥም ዝኽእል ዓብዪ ናይ ህልውና ሓደጋ፣ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዴሞግራፊያዊ ዘይምምጥጣን (demographic imbalance) ብግቡእ ዝተረድኡ ኣይመስለንን፡፡

3. ብወገን ህ.ወ.ሓ.ት ዘሎ ፀገም፡

ምስረታ ህ.ወ.ሓ.ት ምስ ናይ ኢያሳያስን መሓዙቱን ጎብለል ምዃን እዩ ተገጣጢሙ፡፡ ኢሳያስ ንቲ ሓላሚ ራቢጣ ኣል ኢስላምያን ንቲ ኣብ ስነ-ሓሳብ ትግራይ ትግርኚ ዝነበረን ጉጅለን ንኽልቲኦም ወቒዑ ናይ 9 ብሄራት ኤርትራዊ ሃገራውነት ስነ-ሓሳብ ኣብ ሸዓብያ ሰዓሪ ሓሳብ ኮይኑ ኣብ ዝወፀሉ ሰዓት እያ ህ.ወ.ሓ.ት ተመስሪታ፡፡ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ መዳይ ክልቲኡ ትግራዋይ ህዝቢ ዝነበራ ኣረኣእያ ኢሳያስን መሓዙቱን ዝሃቡዋ እምበር ናይ ባዕላ ኣይነበረን፡፡ ኣብዚ መዳይ ግ.ግ.ሓ.ት ብንፅፅር ንፁር ዝኾነ ዓላማ ነይሩዎ፡፡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረት ገይሩ፤ ንትግራይ ድማ ኣካል እቲ ንኤርትራ ዝገዝአ ባዕዳዊ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ገይሩ ክልቲኡ ህዝቢ ናይ ገዛእን ተገዛእን እምበር ታሪኻዊ ረኽቢ ከምዘይብሉ ኣምሲሉ ዘቕረበ፡፡ ስለዚ ህ.ወ.ሓ.ት ካብ መዋእላ ጀሚራ እዚ ዝበሃል ንፁር ዕላማ፤ ብነዊሕ ዝእምት ስትራቴጂ ዘይብላ፤ ግዝያዊ ስልጣንን ረብሓን ልዕሊ ናይ ነዊሕ ግዘ ስትራቴጂያዊ ረብሓ ህዝቢ ገይራ እትወሰድ ውድብ እያ፡፡ ጉጅለ ህ.ወ.ሓ.ት ጉርሒን ናይ ምትዕፅፃፍ ተኽእሎን እምበር ኣብ ቀፃሊ ህልውና ህዝብን ዓድን፣ ኣብ ምውሓስ ዘላቒ ረብሓ ህዝበ-ትግርኛ እዚ ዝበሃል ንፁር ዕላማ ኣይነበሮን፣ የብሉን እውን፡፡ ናይዚ ውድብ ፍሉይ መግለፂ ታክቲሻን እምበር ዘይስትራቴጂስት ምዃን እዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ብጉርሒ ዓዲ ንምምራሕ ዝግበር ፃዕሪ ድማ መወዳእትኡ ፅቡቕ ከምዘይኮነ ድሮኳ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ፡፡

4. ኣብ ኤሊታት ተጋሩ ዘሎ ግጉይ ኣረኣእያ፤

ኣብ ናይ ትግራይ ተጋሩ ኤሊታት ድማ ክልተ መሰረታዊ ናይ ጌጋታት ትዕዘብ፤
ሀ. ንኤሊታት ተጋሩ ኤርትራውያን ብሐፈሻ መንነቶም ዝፈንፈኑን ሓዱሽ መንነት ደለይቲን ገይርካ ምውሳድ፡፡ ኤሊታት ኤርትራ ተጋሩ፣ ብሓፈሻ ድማ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ ኤርትራ ምናልባሽ እውን ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝነብር ትግራዋይ ንላዕሊ ብመንነቱ ዝኾርዕ እምበር ብመንነቱ ዝሓፍር ኣይኮነን፡፡ ናይ ሓደ ህዝቢ መንነት መግለፂታት ዝበሃሉ ናይቲ ህዝቢ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ እምነት፣ ኪነ-ጥበብ፣ ያታ ወ.ዘ.ተ እዩ፡፡ ቋንቋ ትግርኛ፣ ሙዚቃን ስነ-ፅሑፍን ትግርኛ፣ ጥንታዊ ባህሊ ትግርኛ ኣብ ምዕቃብ ድማ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ትግራዋይ ብብዙሕ ይምስገን፡፡ እዚ ህዝቢ ቋንቁኡ፣ ባህሉ፣ ኣርቱ፣ ስነ-ስርዓቱ ዓቂቡ ዘሎ መንነቱ ስለዘኽብርን ስለዝፈቱን እዩ፡፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ (ንዝበዝሑ ምሁራቱ/ ኤሊታቱ፣ ንቲ ሓዱሽ ወለዶ እውን ሓዊስካ) ብባህሉ፣ ብቋንቁኡ፣ ብመንነቱ ኣዝዩ ዝሕበንን፣ ንዑኡ ዓቂቡ ክነብር ዝፅዕርን እዩ፡፡ እዚ ካብቲ ናይ ኢሳያስ ን9 ብሄራት ጨፍሊቕካ ሓዱሽ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምምሃዝ ዝግበር ናይዚ ዘመን ፍሹል ናይ social-engineering ፈተነ ንላዕሊ ዝምዘን እምበር ብዚ ክሃስስ ዝግበኦ ኣይኮነን፡፡

ለ. ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ግጉይ ዝብገስ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ዘይድፈን ሓጓፍ ከምዝተፈጠረ ገይርካ ምውሳድን ተስፋ ምቑራጽን ይርአ፡፡ እዚ ብኹሉ መለክዒ ጌጋ እዩ፡፡

መደምደምታ፤
Persian prophet Mani (216-276 AD) wrote: ‘There are four great kingdoms on earth: the first is the kingdom of Babylon and Persia; the second is the kingdom of Rome; the third is the kingdom of the Axumites; the fourth is the kingdom of the Chinese’ እዚ ትማሊ ብሓደ ኾይኑ ካብ ዓለም ካብቶም ብእዋኑ ዝነበሩ 5 ዓበይቲ ስልጣነታት ሓደ ዝኾነ ስልጣነ ኣኽሱም ዝመስረተ፤ ብሓደ ኮይኑ ኩሎም ተፃብኦታት በዲሁ ሓያል ህዝቢ ክኸውን ዝኸኣለ ህዝቢ ሐዚ ብሕመቕ መራሕቱ፣ ሚኒሊክን ጣልያንን ብዝፈሓስዎ ውዲት ተሓንኲሉ ወዲቑ ሎሚ ክልቲኡ ህዝቢ ናይ ኩርዳውያን (ምናልባሽ እውን ካብ ኩርዳውያን ዝገደደ) ዕፃ ይፀበዮ ከምዘሎ ዝርደአሉ ግዘ በፂሑ ኣሎ፡፡
ናይዚ ህዝቢ እዚ ናይ መዋእል ምሽጥር ዓወቱ ሓድነቱ እዩ ኮይኑ ፀኒሑ፡፡ እዚ ህዝቢ ሓድነት፣ ሕብረት ስለዝነበሮ ትማሊ ኣኽሱም ኣቕኒዑ፤ ክጎብጡዮ ንዝሃቀኑ ኩሎም- ቱርኪ፣ ግብፂ፣ ጥልያን፣ ወ.ዘ.ተ ንኹሎም ብሕብረት መኪቱ፣ ስዒሩ ድማ፡፡ ኣብ ሰሓቲ፣ ጉንደት፣ ጉራዕ፣ ኮዓቲት ዘሎ ደም ኣቦታትና ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ትግርኛ ዝተኸፈለ እዩ ነይሩ፡፡
እቲ ካብ መረብ ንታሕቲ ዝነብር ትግራዋይ ኣብ ዘይተወሃሃደት፣ ክትወሃሃድ እውን ዘይትኽእል፣ ኩሉ በብሸነኹ ናይ ታሪኽን፣ ናይ ስልጣነ ዋንነት ሕቶ ዘልዕለላ ኢትዮጵያ ውሽጢ ኮይኑ፣ ቁፅሩ 6% ዘይበፅሕ ኣዝዩ ንኡስ (minority) ኮይኑ፣ ክብሩን ረብሑኡን ዘየረጋግፀሉ፣ መንነቱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያዊነት ተሓዲጉ ቅሂሙ ዝተርፈሉ፤ ካብኡ ሓሊፉ እውን ሓንሳእ ሓንሳእ ህልውንኡ ውሑስ ዘይኮነሉ፣ ከም ህዝቢ ናይ ምፅናት ዕድሉ ውጥም ቅልቅል ክብል ይረአ ኣሎ፡፡
እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ትማሊ ምስቲ ካሊእ ትግራዋይ ሓው ኮይኑ ወናኒ ባሕሪ፣ ወናኒ ኣዱሊስ፣ ወናኒ ስልጣነ ኣኽሱም ዝነበረ ትግርኛ ተዛራባይ ትግራዋይ ድማ 9 ብሄራት ከም ሓደ ብሄር (ኤርትራዊ ሃገራውነት) ምውቓር ዝብል ስነ-ሓሳብ social-engeneering ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገሊኡ ኣብ ኤርትራዊነት ቅሂሙ፣ ገሊኡ ድማ ብስደትን ብኻሊእን ፋሕፋሕ ኢሉ ቁፅሩ ውሒዱ፤ ህርመት ልቦም ብዝበለፀ ምስ ኳታር፣ ስዑዲ ወ.ዘ.ተ ብዝኾኑ ሓለምቲ እስላማዊ ካሊፌታዊ መንግስቲ ብዓል ብሌን፣ ቤንዓሚር፣ ራሻይዳ፣ ናራ፣ ቤጃ ወ.ዘ.ተ ተኸቢቡ፤ ባሕሩን ካልኦት ፀጋታቱን ኩሎም ተቐንጢጡ፤ ሓደ መዓልቲ ግዳይ ሰይፊ ዓረብ ናይ ምዃን ዕድሉ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ minority ኮይኑ ኣሎ፡፡
እዚ ትማሊ ዓለም ዘስደደመ ስልጣነ ዝወነነ፤ ግዝኣቱ ንግስንኡ ክሳብ ደቡብ ዓረብያ፣ ኑብያን ግብፂ ኣስፋሕፊሑ ሰፊሕ ክፍሊ ዓለም ዝገዝእ ዝነበረ፤ ኣዝዩ ዘኹርዕ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ መንነት፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝነበሮ፣ ዘለዎ መንነት ብሰንኪ ውሑዳት ኣርሒቖም ዘይእምቱ ሕማቓት መራሕቱ፤ ብሰንኪ ውዲት እንተየጥፍኡዎ ዘይድቅሱሉ ፀላእቱ፤ ብሰንኪ ውዲት ደለይቲ ሕማቑ ክጠፍእ ኣይግባእን፡፡ ተሓጋጊዝካ፣ ተደጋጊፍካ ዓብዪ፣ ህልውንኡ ውሑስ፤ መፃኢኡ ብሩህ፣ ሓያል ምዃን እናተኽኣለ፤ እሞ ድማስ ናይቶም ህልውናና ዝፈታተኑ ደጋዊ ተፃብኦታት ከይኣክል ነንሕድሕድካ እናተተፋነንካ ተተሓሒዝካ ናብ ገደል ምፅዳፍ ናይ ብሓቂ ዕብዳን እዩ፡፡ንሕና ናይዚ ዘመን ትውልዲ ድማ ንዚ ናይ ታሪኽ ዓበቕ ክንሕክም፣ ህልውናናን ህልውና ደቅናን ደቂ ደቅናን ከነውሕስ ይግባእ፡፡ እንተዘይኮይኑ ካብ ኩርዳውያን ዝኸፍአ፣ ምናልባሽ ናይ ህንዲ ዘርኢ ኣለዎም ዝበሃሉ ሐዚ ፋሕፋሕ ኢሎም፣ ትሕቲ ሰብ ኮይኖም፣ ህልውንኦም ዳርጋ ጠፊኡ ከምዝቐረየ ልክዕ ከም ሮማ/ጂፕሲ ኮይንና ከይንተርፍ ብዙሕ የሰክፍ፡፡ እቲ ኣንፀላሊዩና ዘሎ ሓደጋ ካብኡ እውን ዝኸፍአ ንዘይምዃኑ መረጋገፂ እውን የብልናን፡፡
እዚ መፀዋዕታ ብቐንዱ ናይ ክልቲኡ ካብ መረብ ንሰሜንን ንደቡብን ዘሎ ትግራዋይ ህዝቢ ኣግኣዝያን ቀጻሊ ዕጻ፣ መፃኢ ዕፃ ካብ ክልቲኦም ዒዋሉ ጉጅለታት ንላዕሊ ከምዝኾነ ዝኣምኑ፤ እዚ ህዝቢ ብኹሉ ሸነኽ ኣንፀላሊዩዎ ዘሎ ሓደጋ ብልቢ ዝርድኡ መፍትሒ፣ እዚ ህዝቢ ንምድሓን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ቅሩባትን ንዝኾኑ ምሁራትን መናእሰይን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ዝነብር ትግራዋይ ህዝበ- ኣግኣዝያን እዩ፡፡

ሓገዝቲ ፅሑፋት፤
- ኣክሱም- በላይ ግደይ አምሃ
- Kurd people: BY Encyclopædia Britannica
- The Kurds could be the key to the Middle East By Amir Taheri, New York post: October 18, 2015 | 6:00am
- Who Are the Kurds?- the Washington post
- The Kurds: A Divided Future? By Joost Hiltermann
- Division of Kurdistan: Its Impact on the Unity of Kurdish National Psyche; By Dr. Kirmanj Gundi. Kurdishaspect.com
- The Suffering of the Kurds; by American Kurdish Information Network (AKIN)
- A brief survey of The History of the Kurds; Kendal Nezan President of the Kurdish Institute of Paris
- The Kurds' Suffering is Rooted in Past Betrayals. By Rachelle Marshall; Washington Report on Middle East Affairs, May/June 1991, Page 8

- Who Are The Kurds? - CBS News
- Turkey v Syria's Kurds v Islamic State By BBC Monitoring Analysis 23 August 2016
- Turkey-Kurdish Conflict: The Struggle for Homeland
- Kurds, divided, face new future - CSMonitor.com
- የኢትዮጵያ ታሪክ- ፕ/ር ባሕሩ ዘውዴ
- የኤርትራ ታሪክ- ማሞ ውድነህ
- እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ- መምህር ገ/ኪዳን ደስታ
- Political hitosry of Tigray – Aregawi Berhe

ዘፅኣት (ዶ/ር)- ካብ መቐለ