ሙሉጌታ ገብረህይወት

አብ ዝሓለፈ ሓጋይ አብ ወይን መፅሄት ስናይ ምምሕድዳር ምንጋስ ብዝምልከት ዝተገበረ ምንቅስቃስ ዝተፅሓፈ ረፖርት ብአጋጣሚ ምስ ሓደ ተጋዳላይ አግንየ አንቢበ ኔይረ። እቲ ሪፖርት አብ ትግራይ ናይ ዘለዋ ዩኒቨርሲታት ማሕበረ ሰብ ዝምልከት ጠቋሚ ገምጋም አብ ዝብል ክፋሉ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሒዙ ይርከብ። 

'አብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ርኡይ ክበሃል ዝከአል ናይ ልሂቅ (elite) ምትአኽኻብ ከምዘሎን እዙይ ድማ መብዛሕትኡ ብኒዮ-ሊበራል አተሓሳስባ ዝተምሃረን ዝተሃነፀን ስለዝኾነ ምስቲ አፍቲ ኸተማ ዘሎ ፅግዕተኛ እናተአሳሰረ 'ህወሓት ብቁዓት መራሕቲ የብላን ደኺማ እያ' እናበለ ሓደገኛ ምንቅስቃስ ከምዝጀመረን ነዙይ ብትኹረት ርኢኻ ምስትኽኻል አድላዪ ክምዝኾነን የብርህ። 

ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓደ አባዲ አባይ ዝበሃሉ አብ ዓይጋ ፎረም ብተኸታታሊ ዝፅሕፉ ሰብ እውን ኢህወደግ ንምንታይ ዳግማይ ተሃድሶ ከምዘድልዮ ብዕለት 5 መስከረም 2008 አብ ዝፀሓፍዎ ፅሑፍ አመልኪቶም ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም ነይሮም፡

"እዚ ሓዱሽ ወለዶ ንቲ መንገዲ ምዕባለ ንኺሱ ከይሕዝ ዝገብርዎ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ  እቲ   መንእሰይ

ዝህነፀሉ ትምህርቲን ስርዓተ ትምህርቲን ምስ ልምዓታዊ መንግስቲን ስነ-ሓሳብን ዝተቃነየ አይኮነን። ካብ ላዕለዎት ትምህርቲ ዝወፁ ዘለው ነቲ ስርዓት ክመርሑ ዝበሃሉ ሙሁራት ክሻብ ሕዚ ዝመሃሩሉን ዝተቀረፁሉን ስርዓተ ትምህርቲ ብናይ አሜሪካን ናይ ምዕራባውያን ስነ-ሓሳብ ዝተቃነየ እዩ። ብፍልስፍና ብፖለቲካል ሳይንስ ብሕጊ ዝመሃሩ ዘለው ተምሃሮና ብናይ ምዕራባውያን ስነ-ሓሳብ እዮም ተቐሪፆም ዝወፁ ዘለው። እቲ ስር ዓተ-ትምህርቲ ንኹሎም አማራፂታት ብዘርኢ አይተቐረፀን። ካሊእስ ይትረፍ ናይ ውልቀን ናይ ጉጅለን መሰል እኳ ብናይ ሃገርና ኩነታት ከመይ ተጠዓዒሞም ክምዝኸዱ ፈሊጡን ምስ ባዕሉ አወሃሂዱን ተገንዚቡ አይወፅእን ። እቲ ዝወሃብ ናይ ስነ-ዜጋ ትምህርቲ እውን ጠንካራ ኾይኑ አብ ሕድሕድ ዓይነት ትምህርቲ ዝወሃቦ አስተምህሮ ከመይ ክሪኦ ከምዘለዎ ዘማእዝን አይኮነን። እተን ብምርምርን ስርፀትን ንምድልዳል ሓዱሽ ስርዓት ክሕግዛና ኢልና ዝፈጠርናየን ላዕለዎት ናይ ትምህርቲ ትካላት ብቢዓመቱ ዝጨጨሐኦ ዝተምሃረ ሓይሊ ንልምዓታዊ መንገዲ ዘይተረደአን ዘይተቐበለን ምኳኑ መንእሰይና አብ መንጎ ልምዓታዊን ኒዮ-ሊበራልን  አማራፂን ንሃገርና ዘለዎ ፋይዳ ፈላልዩ ክድምድም አይገብሮን። እዙይ ዝኾነሉ ስር ዓተ-ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት አብ ምምሕያሽን አብመምህራንን ዝሰራሕናዮ ስራሕ ድኹም ብምኳኑ እዩ።" (አባዲ ካሕሳይ 04/13/2009)

እዚ ርእይቶታት እዚ ዘመልክቶ ነገር እንተልዩ ብሓደ ገፅ ስርዓት-ትምህርቲ ናይዚ ሃገርን ምሕደርኡን ንብዙሕ ሰብ ዘተሓሳስብ ኣገዳሺ ጉዳይ ይኸውን ምህላው እንትኸውን ብኻሊእ ገፅ ድማ ሽግር ናይዚ ሃገር ትምህርቲ ብዝምልከት ብዙሕ ዝተዛብዐ ኣራኣእያ ምህላው እዩ። ስለዚ ድማ እየ ነዚ ብዝምልከት አብ ዝግበር ዝርርብ ትሕግዝ ትኸውን ብዝብል ነዛ ፅሕፍቲ እዚኣ ዘዳለኹ።

ናብቲ ሽግር ናይ ትምህርቲ ቅድሚ ምእታው ግን ነቶም ሓደ ሓደ ሽግር እንተይኾኑ ሽግር ልበሃሉ ለለው ነገራት አልዒለ ክሓልፍ። እቲ ሓደ ልሂቅ (ኢሊት) ምብዛሕ ብዝምልከት ምስ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ተተሓሒዙ ዝተልዓለ ነገር እዩ። ብዙሓት ንናይ ዓድና ናይ ትምህርቲ ኹነታት ዝፅንዑ ሰባት እቲ ቅንዲ ድኽመቱ ነቱ ዘሎ ናይ ትምህርቲ ምስፍሕፋሕ ዝምጥን ልሂቅነት ዘይብሉ ምኹዋኑን ብብቁዕ ምርምርን ፅንዓትን ዘይድገፍን መማህራን ናይተን ዩኒቨስቲስታት ተምሂሮምዎ ዝመፁ ከምህሩ እምበር ነቲ ዝተምሃርዎ ትምህርቲ ብምርምር ዘዕሙቅዎ ስለዚ ድማ ምስ ነብሱ ከሽግርዎ ዘይኽእሉ  እሰበሱ ምኳኖም እዩ ብዝብለ እዮም ዝገልፅዎ። ከመይ ኢሉ ደአ እዩ መቀለ ዩኒቨርሲቲ ልሂቅ በዚሕዎ? ናይ ብሓቂ በዚሕዎ እንተኾይኑ (ከም ሃገሩ ናይ ኢሊት ድርቂ ዘለዎ እዩምበር) እዚ ሽግር አይምልከቶን ማለት እዩ ኢልኻ ኣሰየ ዘብል ምኾነ እቱይ ምንታይ እቲ ትምህርቲ ብብቁዕ ምርምር ክድገፍ ሰለዝገብር። እንተኾነ ግና እዚ ገምጋም ጌጋ ጥራይ እንተይኮነስ መቀፀልታ ናይቲ ንኹሉ ነቀፌታዊ ገምጋም ክትቅበል ናይ ዘይምድላይ ዝንባለ መቀፀልታ እዩ። እዞም ሓደ ኽልተ ሙሁራት ናይቲ ዩኒቨሲቲ አብ ነቀፌታዊ ገምጋም ናይቲ ውድብን መንግስቲን 'ቐንጠብጠብ'እንተዘይብሉ ብርግፀኝነት መቀለ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዓድግራትን ኣኽሱምን ዩኒቨርሲቲ ተፈልዩ 'ናይ ብኒዮ-ሊበራልነት ዝተጠመቑ ኢሊታት መአከቢ' አይምተብሃለን ኔይሩ ስለምንታይ እቶም ናይ መቐለ ዩኒቨርሲቲ መምህራን ካፍቶም ናይ ዓድግራት፤ናይ አኽሱምን  ዩኒቨርሲቲ መምህራን ዝተፈለየ ትምህርቲ ዝተምሃሩ ስለዘይኮኑ።

እቱ ህወሓት ተዳኺማ እያ፡ ብቑዓት መራሕቲ የብላይ ምባል እውን ብተኣምር 'ናይ ንህወሓት መዳኸሚ ናይ ኒዮ-ሊበራል ኣተሓሳስባን ስልቲን ' ክኾን አይኽእልን ምኽንያቱ እቲ ውድብ ባዕሉ ዳግማይ ተሃድሶ የድልየኒ እዩ ለበለሉ ገምጋም ዳኣኾነይ። እቱ ውድብ ባዕሉ 'እቲ ቐንዲ ጠንቂ ናይቱ ሕዚ ዘሎ ሽግር ኪራይ አካብነት እዩ፤ ቐንዲ መዳዩ ድማ አፍቲ ላዕለዋይ አመራርሓ ዘሎ ኪራይ አካቢ አተሓሳስባ እዩ ፤ ስልጣን አብ ክንዲ መገልገሊ ጥቅሚ መግነዪ ጌይሩ ስለዝወሰዶ፤ ዳግማይ ተሃድሶ ጌይርና ክንጥንክር ኢና' ይብል ኣሎ። እዙይ ማለት ድማ ህወሓት ተዳኺሙ እዩ ብቕዓት አማራርሕኡ እውን ተጓዲሉ እዩ ማለትዶ አይኮነን እዩ? ነዙይ እዞም አፍቲ ዩኒቨርሲቲ ዘለው ሓደ ኽልተ መማህራን ስለዝተዛረብዎ 'ፅግዕተኛ ኒዮ-ሊበራል ' ኣተሓሳስባ ስለዘለዎም እዩ ምባል ወይ ትሕዝቶን ቁምነገርን ናይቲ ኣተሓሳስባ ዘይምርዳእ ወይለ ልቱ መንበባይ 'ልሃብናዮ እንተይሓሰበን እንተየስተንተነን ዝቕበል ፍጥረት እዩ' ኢልኻ ከም ምንዓቕ ዝውሰድ ሓሳብ እዩ።

እዚ እቲ ናይ ፍልስፍና ፖለቲካ ሳይንስን ሕጊን ትምህርቲ ብናይ ምዕራባውያን ስነ-ሓሳብ ዝተቃነየ ስለዝኾነ እዩ ዝብል ናይ ኣይተ አባዲ ካሕሳይ አተሓሳስባ እውን ተመሳሳሊ ድኽመት ዘለዎ አተሓሳስባ እዩ። ሳይንስን ፍልስፍናን መርኣዪን መተንተኒን እምበር ንባዕሎም ስነ-ሓሳብን ናይ ፖለቲካ ኣራኣእያን ዘይምኹዋኖም ዘይርዳእ እዩ። እቲ ናይ ምዕራባውያን ቖልዑ ዝመሃርዎ ትምህርቲ እቶም ቖልዑ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ምስመልኦም ንባዕሎም ኪኢሎም ናይ ምንባር ግቡእ ዘለዎም ምኳኑን ኮሌጅ ክመሃሩ እንተኾይኖም እውን ተለቂሖም ይኹን ሰሪሖም መምሀሪኦም ክዓድዩ ከምዘለዎም ዘፍልጦምን ንስራሕን ሰሪሕኻ ንምዕባይን ዘዳልዎም እምበር ከምቶም ናትና ፎቆዶ 'ከፍ ሃውስን' ናይ አናእሽቱ ከተማታት እንዳሻሂታትን ነንባዕሎም እናተጠማመቱ ዝውዕሉ ናይ ወለዶም ተጠወርቲ ዝኾኑ ናይ ሙህራት ጥውራትን መሃይማትን ኣይፈጥርን። መቸም አይተ ኣባዲ እቲ እቲ ስነ-ሓሳቦም ነቲ ናይ ዓዳቶም ናይ ትምህርቲ ስርዓት አይምልከትን ከምዘይብሉና ተስፋ እገብር።

ኣብዚ ዓዲ ብዙሕ ገንዘብን ስልጣንን ዘለዎ ሰብ ደቁ ናብ ናይ ምዕራብ ዩኒቨርሲታት እናሰደደ እዩ ዘምሀር። ናይ ደቡብ ምብራቅ ኤስያ (ቻይና፤ ማሌዥያ፤ ደቡብ ኮርያ ዝኣምሰሉ) ሃገራት ኣፍቶም ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን መራሕቲ ዝበሃሉ ቤት ትምህርትታት ክፅንዕ ተቀባልነት (አድሚሽን) ዝረኸበ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኹሉ ዝመሃረሉ ዓውደ ትምህርቲ ብዘየገድሽ መንግስቲ ንትምህርቲ ዘድልዮም ወጪ ሸፊኑ ናይ ስራሕ ውሕስነቶም ሓልዩ ፍቃድ ሂቡ ናይ ምስዳድ መንግስታዊ ፖሊሲ ሒዞም እዮም ዝንቀሳቀሱ። መቸም እቶም ሰበስልጣንን ሰብ ገንዘብን ንደቆም ብናይ ኒዮ-ሊበራል አተሓሳስባ ክጠምቁ እቶም ናይ ደቡብ ኤስያ ሃገራት እውን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታቶም ብናይ ምዕራብ አተሓሳስባ ክጥመቑ እዮም ሰዲዶምዎም አይትብሉናን። አለሻ ንብቑዕ ምድላው ናይ ስራሕ ዝብቅዕ ፅርየት ትምህርቲ ከምዝኾነ ዘየተሓትት ስለዝኾነ። 

እቲ ግምት ናይቶም አባዲ ኢሎም ዝፀሓፉ ሰብኣይ ኻሊእ ስሕተት እውን አለዎ። እቲ ስነሓሳብ ነቶም ዝረቑሕዎም ናይ ፍልስፍና፤ ፖለቲካ ሳይንስን፤ ሕጊን እንተኾይኑ ዘበላሹ ዘሎ ነቶም ልዕሊ ሰብዓ ብሚእቲ ዝኾኑ ናይ ተፈጥሮ ሳይንስ ተምሃሮ አይምልከትን ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ ዝበዝሑ መናእሰይ ዝመሃርዎ ሙህሮ እዚ ኣይተ አባዲ ዝበልዎ ፀገም የብሎምን ማለት እዩ። እዚ ድማ ነቲ ዝተልዓልሉ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ትምህርቲ 'ሰሪሑ ዘስርሕ ልምዓታዊ ወለዶ' ኣይፈጠረን ዝብል ገምጋሞም ዝፃረር እዩ።

ንመርኣዪ ዝኽውን እዙይ ካብ በልኩ ናፍቲ ካሊእ ዝርዝር ስሕተት ናይቲ ሓሳብ ክኣቱ አይደሊን ነቲ ዝተልዓልኩሉ ዋና ሓሳብ ንጎኒ ክገድፍ ዝገብረኒ ስለዝኾነ።  እዚ ማለት ግን አፍቲ ናይ ሃገርና ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ አብ ስር ዓተ ትምህርቱ፤ መማህራኑን አጠቃላሊ ምሕደር ኡን ሽግር የለን ማለት አይኮነን።  ፀገም ኣሎ ጥራይ እንተይኮነስ ክብደቱ እውን ትውልዲ ዝቀትል አብ ህንፀት ናይታ ሃገርን መፃኢ ጉዕዞአን ኸቢድ ማሕለኻ ዝኸውንን እዩ። እቲ ሽግር ናይቲ ትምህርቲ ግን ከምቲ ሓልሓሊፉ ዝበሃል እቲ ካሪኩለም ናይ ላዕለዎት ናይ ትምህርቲ ትካላት ብናይ ኒዮ-ሊበራል ዝበሃል ናይ ምዕራባውያን አተሓሳስባ ስለዝተቀረፀ አይኮነን። 

እቲ ሽግር እቲ ካሪኩለም በብግዚኡ ምስዝህሉ ኩነታት እናተዓዓመ ንስራሕ፤ ምርምርን፤ ፈጠራን ምእንቲ ክብቅዕ፤ ነቲ ዝተቀረፀ ትምህርቲ ክሕልፍ ዝዳሎ መምህር ብብቅዓት ክዳሎን ክመሓደርን ዝግብር፤ ፍትሓዊን ውፅኢታዊን ናይ ተምሃሮ ምደባን ምሕደራን ክገብር ዘኽእል ብቑዕ ምሕደራ ስለዘይብሉ እዩ።  መንግስቲ ዝገብሮ ክትትል እውን ብአድማስ አተሓሳስባ ናይቶም ንምምሕድዳር ትምህርቲ ኢሉ ዝምድቦም ብኹሉ ዓይነት መለክዒ ጎዶሎታት ዝኾኑ መመሓዳደርቲ ዝውሰን እዩ። እቶም መብዛሕተኦም ናይዚ ሃገር ትምህርቲን ብፍላይ ድማ ናይዚ ሃገር ላዕለዋይ ትምህርቲ ከመሓዳድሩ ተመዲቦም ዝሰርሑ ሰባት አይ ጥቁዋት ፖለቲካዊ ካድረታት ኾይኖም ነቲ ትምህርቲን ውፅኢቱን ንምምሕያሽ ቓትሪይ ለይቲይ ዝሰርሑ፤ዝሰርሕ ሰብ ዝእክቡ ኾይኖም አይ ብቑዕ ናይ ትምህርቲ ምሕደራ ሙያን ክእለትን ዘለዎም ሙያተኛታት መመሓዳደርቲ ኾይኖም፤ እቲ ውድብ 'ተአመንቲ' አባላት እዮም ስለዝብሎም ዝተመደቡ አጎላጉል እዮም። ነዚ ጉድለት ምሕደራ ንምርኣይ ሓደ ሓደ ኣብነታት ካብዚ ቀፂለ ክገልፅ እየ።

ናይ ላዕለዎት ትካላት ስር ዓተ-ትምህርቲ ቀረፃ ብዝምልከት፡  አፍቲ ካሪኩለም ናይ ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ትካላት ብዙሕ ሽግር እዩ ዘሎ። ንኹሉ እቲ ሽግር አብዛ ሓፃር ፅሕፍቲ እዚኣ ንምዝርዛር ኣይከኣልን ስለምንታይ ዓይነት ናይቲ ሽግር መምስ ናይ ትምህርቲ ዓይነቱ ዝተተሓሓዘ ባህርይ ስለዘለዎ። እንተኾነ ግና ንኣብነት ዝኣክል ንኹሎም ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ካሪኩለማት ዝምልከት ናይ ሓፈሻዊ ትምህርቲ አድላይነትን ትሕዝቶን አመልኪቱ ብኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርሲቲ ተፀኒዑ ተግባራዊ እንተይኮነ ዝተረፈ ሓደ ነገር ጥራይ ምልዓል እኹል እዩ።

እቲ ዩኒቨሲቲ ናይ ንውሕ ዝበለ ግዘ ዝሽፍን ስትራተጂክ ፕላን ብ 2005-2006 ዓ.ም.ፈ እንተዳሉ እንተሎ በዚ ሓዱሽ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ መሰረት ዝተዳለወ ስርዓተ-ትምህርቲ ዝተምሃሩ ተምሃሮ ምምራቅን ናብ ናይ ስራሕ ምእታውን ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኣቁፂሮም ስለዝነበሩ ናይ እዚኦም ናይ ስራሕ ውፅኢታዊነት ብዝምልከት ንመንግስታዊን ናይ ውልቀ ትካላትን ቆፀርቲን፤ ንመምህራንን በቲ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ዝተምሃሩ ተምሃሮን ዝሓወሰ ፅንዓት ኣካይዱ ኔይሩ። እቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ እቶም ተማሂሮም ዝወፁ ተምሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዝወደአ ተምሃራይ ክህልዎ ዝግባእ ብቅዓትን አጠቃላሊ ስብእናን ኣላቢሱ ነቲ ዝተምሃርዎ ትምህርቲ ዝምጥን ናይ ስራሕ ድልውነት ኣትሒዙ ከምዘየውፀኦም እዩ ኣረጋጊፁ። እቶም ምንጭታትን መልክዓትን ናይቲ ጎደሎ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ እቲ ሓደ መሰረታዊ መንቀሊ ኮይኑ ዝተነፀረ ግን እቶም ተምሃሮ ዝመሃርዎ ናይ ናይ መሰናድኦ ትምህርቲ ብአቅራርፅኡን ናይ ትምህርቲ መደገፊን መማህራንን አቕርቦቱን ነቶም ተምሃሮ ንናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝብቅዕ ሓፈሻዊ ፍልጠት (general knowledge) ዘየትሕዞም ምኳኑ ስለዚ ድማ ንፕርርፌሽናል ትምህርቲ ተዳልዮም ዘይመፁ ተምሃሮ ከምዝተዳለው ወሲዱ ዝብገስ ምኳኑ እዩ ኔይሩ። 

እቶም ተምሃሮ ናብ ናይ ዝመረፅዎ ዓውደ መፅናዕቲ ቅድሚ ምእታዎም ናይ እንግሊዝኛ ቋንቋን ሒሳብ ተንከፍ (ኮምፑቴሽናል ስኪልስ)ልህቀቶም፤ ከም ስነ-ሞጎት ዝበሉ ናይ ፍልስፍና መሰረታዊ ሓሳባት፤ ናይ ወድሰብ አመፃፅኣን ናይ ሳይንስ ሪቮሉሽንን፤ ሓፈሻዊ ፍልጠት ናይ ኢኮኖሚክስ፤ ሓፈሻዊ ፍልጠት ናይ ስነ-ፅሑፍን ስነ-ሙዚቃን፤ ሓፈሻዊ ፍልጠት ናይ መሰረታዊ ሓሳባት ናይ ሕገ-መንግስቲን ስነ-ዜጋን፤ ከም ኡውን ሓፈሻዊ ፍልጠት ናይ ግርጭት ኣፈታትሓን ብሰላም ምንባርን ዝመሳሰለ ዘለዎ ናይ ሙያን ትምህርቲን ምርጫ ብዘየገድስ ንሓደ ዝተምሃረ ዜጋ ናይ ሙሁር መሰረታዊ ስብእና ክሕዝ  ዝገብርን ነቲ ፍሉይ ናይ ሙያ ምርጭኡ እውን ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ (ኢንፎርምድ) ክኽውን ዝሕግዝ ፍልጠት  ሒዞም አይመፁን። እቲ ሕዚ ዘሎ ናይ ዩኒቨርሲቲ ስርዓተ ትምህርቲ ግን እቶም ተምሃሮ እዚ ከምዘለዎም ወሲዱ ምስመፁ ጀሚሮም ብቀጥታ ናይቲ ዝተመደቡሉ ዓውደ ትምህርቲ እዩ ዘእትዎም። ነቶም ገሊኦም ነዚ ዝምልከት ንምሽፋን ዝውሰኹ ኮርስታት እውን እኹል ግዘ ተዋሂብዎም ብዝተዋደደ መንገዲ ዘይካየዱ ምካኖም እዩ።

ነዙይ ንምቕያር በቶም ናይ ሽዑ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ፕረዚደንት ዝምራሕ ካብ ኹሉ ዲሲፕሊን ዝተወፃፀአ ኮሚቴ ተመስሪቱ አብ ሳይንስን ናይ ሳይንስ መሰረተ-ሓሳባትን፤ ናይ ቁፅሪን ቁፅሪ-ተንከፍ (computational skills)፤ ሓፈሻዊ ናይ ፍልስፍናን ታሪኽን ፍልጠት፤ ሓፈሻዊ ፍልጠት ናይ ወድሰብ አመፃፅኣን ናይ ሳይንስ ሪቮሉሽንን፤ ሓፈሻዊ ናይ ሰነ-ፅሑፍን ስነ-ሙዚቃን፤ ሓፈሻዊ ናይ ግጭት አፈታትሓን ብሰላም ሓቢርካ ናይ ምንባርን፤ ከምኡውን ብብደረጅኡ እናዓሞቀ ዝኽይድ ናይ እንግሊዝኛ ቋንቋ ክእለትን ዘመሳሰሉ ጉዳያት  ዝሓዘ ካሪኩለም ተዳልዩ ነይሩ። እዚ ብብቅዓት ንምክያድ ድማ ተምሃሮ አፍቲ ዩኒቨርሲቲ ዝፀንሕሉ ግዘ ክናዋሕ ምግባር ይጥይቅ ኔይሩ።

እቲ ሓሳብ ተምሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ እንትአትው ሓፈሻዊ ዝኾነ ምርጫ ጥራሕ ክመርፁን ብኡ ክምደቡን ናብ ሕድሕድ ናይ ትምህርቲ ክፍሊ ምደበኦም ግን ድሕሪ ናይ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ምጥቅላሎምን ሽዑ አብ ዝህልዎም ድልየትን ውፅኢትን ተመስሪቱ ክግበር ዝብል ሓሳብ ሒዙ ተዳልዩ እዩ ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ ላዕለዎት ትምህርቲ ትካላት ምምሕድዳር ቀሪቡ። ናብ ትምህርት ሚኒስቴር ምስቀረበ ነቲ ሓሳብ ብትሕዝትኡ አብ ክንዲ ምርዳእን ምምዛንን ናይ መንግስቲ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ዝፃረር እዩ ኢሉ ነፂግዎ። እቲ ፀረ-ፖሊሲ መንግስቲ ዝተብሃለሉ ምኽንያይ ፍሬሽ ማን ዝበሃል ዝነበረ ዓመት ክህሉ አድላዪ እዩ ስለዝበለ ጥራሕ እዩ። ናይ መንግስቲ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ዕላማን ትሕዝቶን ግን ፍሬሽ ማን ዝበሃል ከምዘይህሉ ምግባር አይኮነን። እቲ ዝገርም ሕዚውን መብዛሕትኡ ተምሃራይ ናይ ምረቃ ስነ ስርዓት ድአ ምስ መማህርቲኻ ተባሂሉ አፍቲ ዝተብሃለ ዓመት ይምረቕ እምበር ድሕሪ ምረቅኡ ዘይወደኦ ኮርስ ክውድእ ካብ ሓደ ሰሚስተር ክሻብ ሓደ ዓመት ፀኒሑ እዩ ግቢ ለቂቁ ዝኸድ። ንሓደ ሓዲኡ እዙይውን እንተተሳኺዕሉ እዩ። ከምዙይ ዝበለ ጉድለት ዘለዎ ካሪኩለም ከመይ ዝበሉ ምሩቃት የፍሪ ከምዘሎ ንምዝርዛር ምፍታን ኩሉ ንዝርድኦ ነገር ምድጋም እዩ ዝኽውን።

ምሕደራ ናይተን ዩኒቨርሲታት ብዝምልከት፡ እቲ ካሊአ ናይ ምሕደራ ሽግር እቲ ናይ ትምህርቲ ምሕደራ 'መራሒ ናይ ትምህርቲ ትካል ዘይብሉ ትምህርቲ ዳርጋ መጓየዪ (Pace setter) ዘይብሉ ጉያ ' ማለት ከምዝኾነ ዘይርዳእ ምሕደራ ምህላው እዩ። አብ ኩሉ ዕውት ዝበሃል ናይ ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ዘለዎ ዓዲ ኹሉ መራሕቲ ዝበሃሉ ማእኽል ናይ ልህቀት ዝኾኑ ቤት ትምህርትታት አለውዎ። ገሊኤን ብሓፈሻ ገሊኤን ድማ ብዝተወሰነ ዓውደ ትምህርቲ መራሕቲ ዝኾና እየን። አብ እንግሊዝ ኦክስፎርድ፤ ናይ ለንደን ናይ ኢኮኖሚክስ ትምህርቲ ቤት ዝመሳሰሉ፤ አብ አሜሪካ ከም ሃርቫርድ፤ ኤም አይ ቲ፤ ኮሎምቢያ ፤ ጆርግ ታውን ፤ ሎሳንጅልስ ዪኒቨርሲቲ ዝአምሰሉ ቤት ትምህርቲታት ብምርምርን ስርፀትን ልህቀት ዘለዎ መምህርን ተመራማሪን ዝእክባ ናብኡ ዝአቱ ተምሃራይ እውን ብናይ ባዕለን ናይ መምረፂ ረቋሒ ዝተመረፀ ዝኾነለን ብወድዓውነቱ ነቲ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ስር ዓት ከም መጓየትቲ (Pace setters) ዝቁፀራ መራሕቲ ናይ እንግሊዝን አሜሪካን ዩኒቨርሲታት እየን። እዜኤን አመላምላ መምህራነንን ተምሃሮአንን፤  ዘኽፍልኦ ናይ ትምህርቲ ዋጋን ንመምህር ዝህብዎ ጥቅማ ጥቅሚን እውን ዝተፈለየን ንዕኡ ዝምጥንን እዩ። መምስ ናይ ሃገረን መንግስቲ ናይ ፖሊሲ መውፅኢ አካል ዘለወን ርክብ እውን ነቲ ትፅቢት ዝግበረለን መሪሕነት ዝምጥን እዩ።

ናይ ዓድና ናይ ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ትካላት ምሕደራ ነዙይ ዝተረደአ አይኾነን። እተን ዘለዋ ትካላት በየናይ ናይ ትምህርቲ ክፍሊ እየን ናይ ልህቀት ማእኽል ክኾና ዘለወን ኢልኻ በቲ መዳይ ንሱ ልህቀት ዘለዎም መምህራንን ተመራመርቲን ክህልውወን፤ በብመዳይ ልህቀተን ተምሃሮአን መሪፀን ክቅበላ፤ ንዕኡ ዘድለየን ቀረብን ብፍሉይ ክምደበለን ዘግብር አሰራርሓ የለን። ብሓፈሻዊ ብቅዓቱ፤ ብዘለዎ ፕሮግራም ብዝሒን፤ ብዘለዎ ዕድመን  መራሒ ክኽውን ክህነፅ ዝግብኦ ዝነበረ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ እውን እንተኾነ ከም ሃገሩ ቀንጪ ባጀት ዝምደበሉ፤ ተምሃራይ ብዕፃ ዝምደበሉ፤ ከም ካል ኦት ዩኒቨርሲታት ብዘይካ ናይ እንስሳት ሕክምና ካሊእ ሕርሻ ተንከፍ አካዳሚያዊ ትምህርቲ ስለዘይነበረኒ ኢሉ ሓዱሽ ካምፓስ አብ ፍቼ ከፊቱ ናይ ሕርሻ ትምህርቲ ክምህር ዝብል ስለዚ ድማ ከም ሃገሩ ቁፅሪ እምበር መሪሕነት ክህብ ዘይበቅዐ ትካል እዩ። ስለዚ ድማ እተን ናይ ትምህርቲ ትካላት ከም ፋብሪካ ብመደዳ ተር ዝበላ እምበር ከም ላዕለዎት ናይ ትምህርቲ ትካላት ናይ ልህቅት ዕምቆትን ምጥቀትን መጓየዪ ዝኽውን መራሒ ትካል ዘይብለን እየን። እዚ ኣተሓሳስባ መንግስቲ አየናይ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኣየናይ ናይ ልህቀት መራሒ ይኹን መሊሱ ኣዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሓፈሻዊ መሪሕነት ክፃወት እንተኾይኑ ዕማሙ ኣነፂሩ፤ ዘመሓደደረሉ ቻርተር ክህልዎ ጌይሩ፤ እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ምምልማልን ምድርጃውን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኣመራርሓ ንጡፍ ተራ ዝፃወተሉ ክኽውንን ናይ ብጀት ኣመዳድብኡ እውን ነዙይ ዘንፀባርቅ ክኽውን ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።

ምሕደራ ናይ ቅበላ ተምሃሮ ብዝምልከት፡

ተምሃሮ ናይ ዓሰርተ ክፍሊ መልቀቂ ፈተና እንትወስዱ እንተለው ብቅደም-ሰዓብ ክሻብ ሸውዓተ ዓይነት ትምህርቲ ክመርፁ ይግበሩ። ብድሕሪኡ ከከም አፍቲ መሕለፊ ፈተና ዘምፅእዎ ማርኪ ካብ ቀዳማይ ክሻብ ሻብዓይ ምርጨኦም ይምደቡ። ዝለዓለ ማርኪ ዘለዎ ኣብ ቀዳማይ ምርጭኡ እንምደብ ትሑት ማርኪ አምፂኡ ዝሓለፈ ኣብ ሻብዓይ ምርጭኡ ይምደብ ማለት እዩ።  እንተኾነ ግና እቲ ኣብ ማትሪክ ዘምፅእዎ ውፅኢት እቶም ተምሃሮ ንዘለዎም ትምህርቲ ናይ ምቅባል ዓቅሚ ካብ ምምልካት ንላዕሊ እቶም ተምሃሮ ንዝተምሃሩሉ ኹነታት እዩ ዘመልክት። ኣብዚ ዝምስረት ናይ ተምሃሮ ኣመዳድባ አብዘተፈላለየ ኩነታት ንዝተምሃሩ ተምሃሮ ብሓደ መዐቀኒ ስለዝዕቅን ዘይፍትሓዊን ንደሓር አብ ዝህልዎ ናይ ስራሕ ወፍሪ እውን አሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎን እዩ።

አብ ናይ ገጠር ትምህርት ቤት ዝተምሃረ በሊሕ ተምሃሪ ብምኽንያት ትሑት ናይ ትምህርቲ ድጋፍን ናይ መምህራን አቕርቦትን ትሑት ማርኪ አምጺኡ ስለዝሓለፈ ሕክምና እንስሳት ክመሃር እናደለየ ብማርክኻ ምትሓት ምኽንያት አይትምደብን እንትበሃል ብአንፃሩ አብ ቅዱስ ዮሴፍን ሳንፈርድን ዝተምሃረ ማእኸላይ (average) ርእሲ ዘለዎ ተምሃሪ ሕክምና ስለዝመረፀ ማርክኻ ንናይ ሰብ ሕክምና ትምህርቲ አየእትወካን እንተኾነ ግና አብ ናይ እንስሳ ሕክምና ትምህርቲ ተመዲብኻ ኢኻ እትምደብ ኢሉ ዝምድብ ስለዚ ድማ እቶም ተምሃሮ ንዘለዎም ድልየትን ትኽክለኛ ዓቅሚን መሰረት ዘይገብር ፍትሓዊነት ዝጎደሎ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ናይ ደብረዘይት ናይ እንስሳ ሕክምና ኮሌጅ ተምሃሮ መንግስቲ ናይ እንስሳ ሓኻይም ብበዝሒ አይምድብን ዘሎ ኢሎም ትምህርቲ ናይ ምምሃር ኣድማ እንትገብሩ ዝረኣየ ሰብ ከመይ ኢሉ እዩ አፍታ ብሃፍቲ እንስሳ ብዝሒ ካብ አፍሪካ እትፍለጥ ዓዲ ኾይኑ ናይ እንስሳ ሕክምና ተማሂረ መንግስቲ እንተዘይቆፂሩኒ ስራሕ የብለይን ኢሉ ዝሓስብ ይብል ይኸውን። እቲ ካብ ገጠር ዝመፀ ወዲ ገባር ንእንስሳ ሕክምና ዝመረፀ ቆልዓ ነዚ ዕድል ረኺቡ እንተዝኽውን ብናይ ወለዱን አዝማዱን ጥሪት ምሕካም ምጀመረ፤ ገጠር አትየ አብ ሻንጣ እውን እንተኾነ ተሸኪመ ዝሰርሐላ ናይ እንስሳት ክሊኒክ ክፈጥር እየ ኢሉ ንምሕሳብ ምኻኣለ ስለምንታይ ካብ ገጠር ዝመፀን ንሱ ክመሃር ኢሉ ዝመረፀ ስለዝኾነን።

በዚ ምኽንያት እዚ ዝብዝሑ ካብ ገጠር ዝመፁ ተምሃሮ መበል ሻብዓይ ምርጨኦም ዝኾነ ትምህርቲ ክመሃሩ ዝግደዱ እዮም። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት አብ አዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ 27 አጓላትን 15 ኣወዳትን ዝተወሰንና ተጋሩ ብሓደ ኾይንና ገበርቲ ሰናይ አተኣኻኺብና እንሕግዞም ካብ ገጠራት ትግራይ ዝመፁ ተምሃሮ ኔይሮም። እዚ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ተምሃሮ ናይ ምሕጋዝ ስራሕ ኣፍቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ናይ ህወሓት መሰረታዊ ውዳበ ነቲ ስራሕ 'ናይ ፀረ-ህወሓት ሰባት ስራሕ ዕላምኡ እውን ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምንኣስ ' እዩ ዝብል ትርጉም ሂቡ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዕንቅፋት ሰለዝፈጠረ ካብ ነቶም ናይ መጀመርያ 42 ተምሃሮ ክውድኡ ምግባር አይቀፀለን። ኣብ መዓልቱ እዙይ ልምልከት ሙሉእ ትሕዝትኡይ ካብቲ ውድብ ዘጋጠሞ ዕንቅፋትን ብዝርዝር ክፅሕፍ እየ። ኣብዚ ዘልዓልኩሉ ምኽንያት ግን ምስ ምደባ ናይቶም ካብ ገፀር ዝመፁ ተምሃሮ አተሓሒዘ ክም አብነት ንምርኣይ ይጠቅም እዩ ብዝብል እዩ።

ብዘይካ ሓደ ታሪኽ ዝመሃርን ሓንቲ ዓረብኛ ቋንቋ እትመሃርን እቶም ዝተረፉ ኩሎም ናይ ስፖርት ሳይንስን ትግርኛ ቋንቋን ዘፅን ዑ እዮም ኔይሮም። እዚ ምርጫ እዚ ድማ ዳርጋ ንኹሎም ናይ መጨረሻ ምርጨኦም እዩ ኔይሩ። እዚኦም ትምህርቲ ምስወድኡ መንግስቲ መምህራን ጌይሩ ቆፂርዎም እንተዘይኮይኑ በቲ ዝተምሃርዎ ትምህርቲ አብ ዓዶም ከይዶም ስራሕ ክፈጥሩ እዮም ዝበሃሉ አይኮኑን።  መቸም ብደቀቅቲን ኣናእሽተይን ብከፍቲ ምህጣር ደርሆ ምርባሕ ወይ ድማ ብኮብል ስቶን ተወዲብካ ንምስራሕ ናይ ትግርኛን ናይ ስፖርት ሳይንስን ዲግሪ የድልዮም እዩ ንምባል ክምዘፀግም ንማንም ዝተኸወለ አይኮነን። በዚ ምኽንያት እቲ ትምህርቲ ንሳቶምን መንግስቲን ዘውፀእዎ  ኢንቨስትመንት ዋግኡ እንተይመለሰ ይቀሪ ማለት እዩ። ምሕደራ ናይ ትምህርቲ ንከምዙይ ዝበለ ካብ ንዝተምሃሩሉ ኩነታት ዘንፀባርቅ ውፅኢት ከምመደቢ ካብ ምጥቃም ንጉድለታቱ ዝእርም ወይ ድማ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ እቶም ተምሃሮ ብዉሑዱ ናይ መጀመርያ ዓመት ትምህርቲ ምስካልኦት ማዕረ ዕድል ረኺቦም አብዝህልዎም ውፅኢት ክምስረት ምግባር ይሓትት። ከምዙይ እንትግበር እዩ ፍትሓዊን ነቶም ተምሃሮ ጥቓ ድልየቶምን ዓቕሞምን ዝኾነ ስለዚ ድማ ንመፍረያይነት ብዝሓሸ ዘዳልዎም ትምህርቲ ንምምሃር ዝከኣል።

እዞም ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎም ሽግራት ናይ ዓድና ናይ ትምሀርቲ ሽግር ንሳቶም ጥራይ እዮም ማለት አይኮነን። እዞም ዝገለፅኩዎም ኣብነታት ነቲ ሽግር አበይ ከምዘሎ ንምምልኻትን ብሓደ ገፅ መንግስቲ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ መንገዲ እንተናዲ ትኹረት ክገብረሎም ዝግባእ መዳያት ንምምልካት ምእንቲ ክሕግዙ እዩ። ብኻሊእ ድማ እዚ ምንጪ ናይቲ ሽግር ንምርኣይ እንትፍተን ከም ጨው ኣብ ኩሉ ነገር ምእታው ልሙድ ኮይኑ ዘሎ 'ኒዮ-ሊበራልን ናይ ምዕራባዊያን አተሓሳስባን ' ዝብል ነገር ነቲ ትሕዝቶን ትርጉምን ናይቲ ፖለቲካዊ አተሓሳስባ ብትኽክል ንምምርማርን ምርዳእን ካብ ምዕንቃፍ  ዝሓልፍ ፋይዳ ዘይብሉ ምኳነ ንምምልካት እዩ። 

ስለዚ ድማ መንግስቲ ነዞም ፀገማት ናይ ትምህርቲ ንምፍታሕ ቅድም ቀዳድም ምሕደራ ትምህርቲ ንዕኡ ዝኽውን ሞያ ብዘለዎም ሰባት ከገበር ምግባር ከምዝግብኦን ከምዚ ዝበለ ምሕደራ ድማ ብናፅነት ነቲ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ፤ ስርዓተ-ትምህርቱ ይኹን ምሕደርኡ ክምርምርን አብከብዙይ ዝበለ መፅናዕቲ ተመስሪቱ ናይ ፖሊሲ፤ ስር ዓተ-ትምህርቲ ይኹን ምሕደርኡ ምትዕርራይ ክገብር ድልው ክኽውን ኣለዎ። ኣብ ኩሉ መዳይ ዝግበር ስሕተት ዋጋ የኽፍል እዩ። ዋጋ ናይቱ ኣብ ትምህርቲ ልግበር ጌጋ ግን ካብ ኩሉ ለላዕሊ እዩ ምኽንያቱ እቲ ዋጋ ትውልዲ ሙሉእ ክትኸስር ስለልገብር። ም እንተዙይ እዩ ምምሕዳር ትምህርቲ ልዕሊ ኹሉ ሂብኻ ሓላፍነት ብዝተመልኦ መንገዲ ክስራሕ ኣለዎ።

ሰላም!