ከም ውራየይን ጋሻአን ኮይነ …

እዛ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት "ናይ ሓባር ታሪኽ እንበር ናይ ሓባር መስዋእቲ ዘይነበራ ሃገር" ንነዊሕ ግዜ ብጸቢብነትን ትምኽሕትን ብሄራዊ ጭቆናን ክትሕመስ እያ ጸኒሓ: "ብቀሊሉ" ካብቲ ብሄራዊ ጭቆና ዘትረፎ ስንብራት ጸቢብነትን ትምክሕትን ኽትወጽእ ከአ አይትኽእልን። ፍጹም ለውጢ "መስርሕ እንበር ናይ ገለ ዓመታት ዕማም አይኮነን": ናይ ትማል ወለዶ ነዚ ተረዲኡ አብ ታሪኽ አፍሪቃ ንመጀመርያ ግዜ ዝተፈላለዩ ውድባትን ብሄራትን ዝሐቆፈ ጽምዲ (ኢህወደግ) ተኺሉ ንሃገሩ ካብዚ ማሕለኻ ብሄራዊ መግዛእቲ ካብ ዘናግፋ እነሆ ርብዒ ዘመን ሐሊፉ አሎ።

በዚ መንጽር ንጽምዲ ኢህወደግ ሎሚ ክዕዘቦ ከለኹ ሐለፋ ካልኦት አብ አፍሪቃ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት

ኣብ ክልልና ካብ ዘለው የኒቨርስቲታት ሓደ ዘኾነ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ኣብ ሓጪር ግዜ ነዊሕ ዝተጎዓዘ ኣብነታዊ ዩኒቨርስቲ እዩ። እቲ ኣብ ሓፂር ግዘ ዝተጎዓዞ ነዊሕ ርሕቐት ግልፂ ምእንታን ክኾነልና ክጅመር ከሎ ዝነበሮን ሐዚ ዘለዎን ብኣሃዝ ኣደጊፍና ክንርኢ፦

ሕዳር 2004 እዩ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን  960 ተመሃሮ፣ 13 ክፍሊ ትምህርቲ፣ 4 ኮሌጅ፣ 94 መመሃራን፣ 109 ድጋፍ ወሃብቲ ዝሓዘ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘበን ትምህርቲ 12696 ስሩዕ ቀዳማይ ድግሪ፣ ማስተርስ 203 ተመሃሮ ኣተኣናጊዱ( ለሚዘበን ድማ 5600 ብስሩዕ ጥራይ ይቕበል ኣሎ)፤  ስራሕተኛታት 1350 ድጋፍ ወሃብቲ፣ መመሃራን 856፣ ድምር ቀወምቲ 2200፣። ክጅምር ከሎ 12 ብሎክ ፣ ሎሚ 190 ብሎክ ተሰሪሑ። ኣብ በዝሒ ተመሃሮ፣ ስታፍ ኣባላት ይኹም መሰረተ ልምዓት ብኽንደይ ዕፅፊ ከምዝዓበየ ገቢጥዎ።

ብኣቤል ጉዕሽ

ኩሉ ዝመሰሎ ክዛረብ እዩ ክፉት መድረኽ ተፈጢሩ። ከምቲ ዝተብሃለ እውን ኮይኑ። ኣብዛ ዓዲ ዝርኣዩ ፀገማት ኩሎም ይልዓሉ ኣለዉ። “ወዲ ሰራሒ ማዕፆ ዝብኢ ወሰዶ።” ይብሃል ኣሎ። “መብራህትን ስልክን ምቁርራፅ ኣሎ” ዝብሃል ዘረባ ከም ማስቲካ ይሕየኽ ኣሎ። ናይ መሬት ጉዳይ ይልዓል ኣሎ። ኣብ ኣብያተ ፍርዲ

አስጦብያ ንዘመናት ብሓለንጊ ጥሜት ፎትያ ክሳብ እትፀልእ ተጠዊፋ እያ፡፡ አስጦቢያ አብ ለቖታ ድኽነት ተቐፂራ ከም ቆሎ ስገም (ብርዳ) ተሓሳያ አብ ሞጉእ እንጣጢዕን ንሂጉን ተወቒጣ  አስጦቢያ ብትዕቢት ጋኔን ትምክሕቲ ብዘይ ጣቕዒት ብዘይከበሮ ንዘመናት አጉሪዓ…አጉሪዓ ፎፎው ኢላ እያ፡፡ አስጦቢያ ፀብሒ ድንሽ ሓሪምዎም ደቃ ኸም ፍረ ቐቭቀቭ ዛሕ ኢሎም ዩም፡፡ አስጦቢያ ደቃ ብኹናት ሕድሕድ ተፋሊሶም ዮም፡፡ አቤት ዝረገፍካ ሓይሊ ሰብን ገንዘብን ከክንዲ አባይ ዝኾኑ ሓደ ዓሰርተ ዓበይቲ ግድባት ብውሕድ የገድብ፡፡ አስጦቢያ ብቑማል፣ ቁንጪ፣ ትኋንን ቁርዲድን መራሕታን

ሃፍተ ንጉስ ( ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት፣  መምህር  ልሳነ ግእዝ)

እም ውስተ ክፍለ ዓለም ዘአፍሪካ፣ ወሚመ እምታሕተ ምድረ በድው አው “ሰሃራ” ዘይትረከባ አህጉራት ዘሀለዋ  ዘእንቲአሃ  ፊደል፣  ኁልቅ(አኀዝ)፣  ሥርዓተ  ጽሕፈት  ወ  ንባብ  ኢትዮጵያ  ይእቲ።  ዝንቱ  ዘሀለዎ ዘእንቲአሁ ፊደል፣ ኁልቅ(አኀዝ)፣ ሥርዓተ ጽሕፈት ወ ንባብ፣ ጥንታዌ ሀገራዌ ልሳን፣ ልሳነ ግእዝ ውእቱ። መብዝሕቶሙ ልሳናት ዘሀለዉ እም ዓለም፣ ይጼውዑ በነገድ። ልሳነ ግእዝሰ ኢኮነ

The Kurd Factor: Lessons to be taken
ብዛዕባ እዚ ክፅሕፍ ምስ ነብሰይ ብዙሕ ተኻቲዐ፤ “ሕሉፍ ጌጋን ቀፃሊ ዕፃን ናይቲ ካብ መረብ ንሰሜንን ንደቡብን ዘሎ ትግራዋይ ትግርኛ ብዝበለፀ ምስየንኡ ይመሳሰል?- ምስ ናይ ኩርዳውያን ምስ ናይ ሮማ/ጂፕሲ? ካብ ክልቲኡ ዝተፈለየ? ዝገደደ ወይስ ዝሐሸ?
ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ቁፅሪ ኩርዳውያን ካብ 30- 40 ሚልዮን ይግመት፡፡ ካብኡ 50 % ኣብ ቱርኪ ይነብሩ፤ 22 % ኣብ ኢራቅ፣ 22 % ኣብ ኢራን፣ 5 % ድማ ኣብ ሶርያ ይነብሩ፡፡ እዚ ማለት 20-25 % ካብ ህዝቢ ቱርኪ፤ 20 % ካብ ህዝቢ ኢራቅ፤ 10 % ካብ ህዝቢ ኢራን፣ 9 % ካብ ህዝቢ ሶርያ ኩርዳውያን እዮም ማለት እዩ፡

ሙሉጌታ ገብረህይወት

አብ ዝሓለፈ ሓጋይ አብ ወይን መፅሄት ስናይ ምምሕድዳር ምንጋስ ብዝምልከት ዝተገበረ ምንቅስቃስ ዝተፅሓፈ ረፖርት ብአጋጣሚ ምስ ሓደ ተጋዳላይ አግንየ አንቢበ ኔይረ። እቲ ሪፖርት አብ ትግራይ ናይ ዘለዋ ዩኒቨርሲታት ማሕበረ ሰብ ዝምልከት ጠቋሚ ገምጋም አብ ዝብል ክፋሉ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሒዙ ይርከብ። 

'አብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ርኡይ ክበሃል ዝከአል ናይ ልሂቅ (elite) ምትአኽኻብ ከምዘሎን እዙይ ድማ መብዛሕትኡ ብኒዮ-ሊበራል አተሓሳስባ ዝተምሃረን ዝተሃነፀን ስለዝኾነ ምስቲ አፍቲ ኸተማ ዘሎ ፅግዕተኛ እናተአሳሰረ 'ህወሓት ብቁዓት መራሕቲ የብላን ደኺማ እያ' እናበለ ሓደገኛ ምንቅስቃስ ከምዝጀመረን ነዙይ ብትኹረት ርኢኻ ምስትኽኻል አድላዪ ክምዝኾነን የብርህ። 

ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓደ አባዲ አባይ ዝበሃሉ አብ ዓይጋ ፎረም ብተኸታታሊ ዝፅሕፉ ሰብ እውን ኢህወደግ ንምንታይ ዳግማይ ተሃድሶ ከምዘድልዮ ብዕለት 5 መስከረም 2008 አብ ዝፀሓፍዎ ፅሑፍ አመልኪቶም ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም ነይሮም፡

"እዚ ሓዱሽ ወለዶ ንቲ መንገዲ ምዕባለ ንኺሱ ከይሕዝ ዝገብርዎ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ  እቲ   መንእሰይ

ጮምዓ ማለት ንከተማ መቐለ ግርማ ሞገስ ኣላቢሱ ብኣንፈት ምብራቕ ዘሎ ጎቦ እንዳየሱስ ዝሓዘ ማለት እዩ። ጮምዓ ኣብቲ ዝባን ጎቦ ዘሎ በዓል መስቀል ዝኽበረሉ ቦታ እዩ ዝውክል። ጮምዓ እንትብሃል እውን ንዝኾነ ወዲ መቐለ ምስ በዓል መስቀል ተኣሳሲሩ እዩ ናብ ሕልንኡ ዝመፅእ። ጮምዓ ብዙሕ ነገር ክስረሓሉ ዝግባእ ሙሉእ ከተማ መቐለ ንምርኣይ ዘመቹ ግሩም ስፍራ እዩ። ፀብለል መቐለ ድማ ኢልናዮ ኣለና (ስካይ ታወር ወይ ማማ ማለት እዩ)።

ብሙሉጌታ ገብረሂወት (ጫልቱ)

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር

 

ቕድሚ አርበዓ ዓመት ከምዛ ሎመዓንቲ ሓምለ ሓሙሽተ ትሻዓንተ ርእሰይ (ይኩኖአምላክ ገብረሚካኤል (ስው እ)፤ልእልቲ ሃፍተማርያም (ስወእቲ)፡ አልማዝ ከዳነ ማርያም (ስውእቲ) አይናለም ኪሮስ(ስውእ)፡ አበራ ማንካ (ስውእ)፡ ኢያሱ በርሀ (ስውእ)፤ ሓሰን ሹፋ፡ ሂሪት ምሕረተአብ፡ አነ ታሻዓዮም) ንምግዳል ካብ መቐለ ከተማ ልበረኻ ወፄና። ቅድሚ ናብ ናይ መንገድና ምእታወይ ግን አብታ ሰመን እቴአ ልነበረ ነገራት አስታዊሰ ክሓልፍ።

ሰናይት ተኽሉ

   እዚ ሓፂር ፅሑፍ ኣብ መብል 21 ሕታም ውራይና ገፅ 2 ዘሎ ፅሑፍ (ርእሰ ዓንቀፅ እቲ መፂሄት ምዃኑ እዩ) መሰረት ዝገበረ እዩ።  መበል 21  ሕታም ውራይና ኣብቲ ዝተጠቐሰ ገፅ  “ህዝቢ ትግራይ ይብል ኣሎ ጠንካራ ውድበይ” ብዝብል ርእሲ ዝተወሰነ ሓሳባት ገሊፁሎ፤  እቲ ትንታነ “ህወሓት” ከምዘሎውን ከምዘየለውን ገይሩ እዩ ዘቕርብ ይመስል።

ግደና መስፍን ከበደ።

ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ

ፍሉይ ክፍሊ ፅንዓት ጥንታውያን መዛግብቲ ኣፍሪካ፣ እስያን ኣውሮፓን

ጀርመን

ፀሓፊ ብThis email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክርከብ ይከኣል።

ሃመይያኻትኹም የቶ ብልሳን ራየቶት! ኣብ ትሕቲ እዚ ዓምዲ ጉማየ ተባሂሉ ንዝፅዋዕ ቃላዊ ሃፍቲ ከባቢ ራያ መሰረት ብምግባር ትንታነ ክንህብ ክንፍትን ኢና። መልክዕ ምድሪ ራያ ባሕሪ እተፈላለዩ ባህላዊ መግለፅታትን ቋንቋታትን እዩ። ቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኣገውኛን ኦሮምኛን ዝዝረብሉ ከባቢ ምስ ምዃኑ መግለፅታት ባህሊ እቲ ከባቢ ውን ብዙሓት እዮም።

ብ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም

ሓቅን ሕሶትን ኣብ ታሪኽ  ሃፀይ የውሃንስ

ኣብዚ ቀረባ እዋን በቲ ኣብ ቋንቋታት ኢትዮዽያ ቅልጡፍ  ምዕባለ ዘርእይ ዘሎ ውፅኢት ፕሬስ ኣቢሎም ብዘበነ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ዝነበሩ ናይ ውሽጥን ናይ ወፃእን ፓሊሲ ጉዳያት ብዙሓት ፅሑፋትን ምምልላላትን ይካየዱ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ እቶም ዝለዓሉ ነጥብታትን ዝጋውሑ ነቐፌታታትን ኣብዚ ፅሑፍ’ዚ ዝተወሰነ ሓተታ ምክያድ ዘድሊ ይመስለኒ።