ብሓው ስላስ ኮረንቲ

እንኪ ሸዋ

 መእተዊ ሓደ ፅሑፍ ከም ኣተኣታትዋ ኣታዋይ እዩ ይመስለኒ እሞ መእተዊ እዚ ፅሑፍ ንሎሚ ፀርፊ ዘይንገብሮ። ይኹን።

ሓደ ሰብ ረሳሕ እንተይሉኳ ማይ ምፍታው። ዓንጓር፣ ነፋጥ ኢሉ እንተፀሪፉካ ኣፍንጫኻ ብመንዲል ሃሰስ፣ ፊጥ ምባል።

ኣምበስ ተወልደ

ካብ ባሎኒ ኣማኻሪ ልምዓታዊ ስፖርት መቐለ

ሰላም ተኸታተልቲ መፅሄት ውራይና ንሎሚ ዝበልክዎ ትሕዝቶ ቀሪበ ኣለኹ ሓቢርና ንፅናሕ::

ዘበናዊ፣ ደረጅኡ ዝሓለወን ዓለም ለኸ ብርኪን ዘለዎ ስታድዮም ክህስራሕ እዩ ተባሂሉ ምስተነገረን ምስተጀመረን ብዙሓት ተሓጒሶምን ኣሞጊሶምን ብምዝንግዑ ድማ ጒሂዮም፣ ድሕሪ'ዚ እዩ ኔሩ

ambes

ኣምበስ ተወልደ

ካብ ኣማኻሪ ልምዓታዊ ስፖርት ባሎኒ መቐለ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ሰላም ደሓንዶ ቀኒኹም ተኸታተልቲ መፅሄት ውራይና ንሎሚ ናብ ዝበልክዎ ዝርዝር እንትሰግር ንጋንታታትን ቤተሰብ ጋንታታት መቐለን ወልዋሎ ዪኒቨርሲቲ ዓዲግራትን እንኳዕ ደስ በለኩም! ብምባል እዩ፡፡ ሰናይ ንባብ!

ንወድዓዊ ኩነታት ውድድር ኩዕሶ እግሪ ክልልና መበገሲ ጌሩ ዝተዳለወ ውልቀ ሪኢቶ

ኣምበስ ተወልደ (ባሎኒ ኣማኻሪ ልምዓታዊ ስፖርት መቐለ)

ሰላም ደሓንዶ ቀኒኹም ተኸታተልቲ መፅሄት ውራይና ሎሚ ናብ መምበብቲ ዝበልክዎ ፅሑፍ ሙሉእ ብሙሉእ ትሕዝትኡ ኣብ ስፖርት ዘሎ ፖለቲካ ወይ ስፖርታዊ ፖለቲካ (Sport politics), ስፖርት ኣብ ፖለቲካ (Sport in politics) ዘለዎ ብፅሒትን ፖለቲካ ምስ ስፖርትን (Politics in sport) ዘለዎ ምትእስሳር ንምድህሳስ ዝፈተነ እዩ ሰናይ ንባብ ፡፡ 

ብኮረንቲ (ገብረጊዮርግስ ንጉሰ)

ዕለት/ መዓልቲ መዓልቲ/ ወርሒ 13ቲኡ/ ዓመት ዓመት

ካባና ካብ ብዙሓትስራሕ፣

ገዛን ሓዳርንኣልባን

ማእምናትንከካብ ዘለናዮ                                    

ኣድራሻ፦ ኣብ ገዛ ኽራይ                                        

ናብኣብ ኩሉ ቦታን  ኣብያተ ዕዮን

ዘለኻ ናባዕልና መንግስቲ

መጀመርያ ወያናይን ዘይወያናይን ሰላምታና ይብፃሕኻ(እቱይ ምንታይ መራሒ ክልቲኦም ስለዝኾንካ)እሞ እታ ከም ፀብፃብ እተፅግበና፣ ከም እንጀራ ትጠምየና፣ ከም መንበሪ ገዛ እትርሕቐና፣ ከም ገዛ ኽራይ ትቐርበና፣ ከም ደመወዝ ትውሕደና፣ ከም ስብሰባ ትበዝሐና፣ ከም ሓዳር ምምስራትን ንቡር ምፍታንን ብሕልሚ ትረአየና፣ ከም ስኽራንን ዕጥራንን ብቐትሪ እትጎንፈና፣ ከም ገምጋም ትቐንዐና፣ ከም ግዕዝይና ተቕንዐና፣ ብሓፈሻ እታ ብፖሊሲ ሕንፃፅ ተኸይፈና፣ ኣብ ፈፀመ ገለ ሰኸፈት ትፈጥረልና እንናፍቓን  እታ ካብ ዓለም ተወዳዳሪ ዘይብላ ፀጋ ጥዕናኻ ከመይ ኣለኻ? ማራ ኢና ንሕብየካ የኣኽ። ይመቸኻ በቃ።

 በቓደማያት ተፀሊኡካ ሰሚዕና ብዙሕ ጉሂና ነርና።“ናይ ባዕለይ እትመላለሰኒ ሕማም መርዘን እያ። መድሓኒታ እውን እፈልጣ እየ። ናብ ኣስቪዳለ ኸይደ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዘይትምለስ ምሕየ ከድሕና እየ።” ኢልካና፣ ከም ኣፍካ ይግበሮ፣ ቆስሊ ከልቢ ይግበረልካ። ኢልና ተሓጉሽና ኣስተርሒና ከም ኣመልና ኣብ ገዛ ኽራይ ለጥ ኢልና ቐኒና። እሱኸ ናይመን ኮይኑ ኢልና።

 እሞ ኸመይ እኒአኻልና ደሓን ዲኻ? ንሕና ብዜካ ናፍቖት ገዛን እርኑብ ናብራን

ብኣምበስ ተወልደ 
ካብ ትካል ኣማኻሪ ልምዓታዊ ስፖርት ባሎኒ መቐለ
ሰላም ደሓንዶ ቀኒቑም መንበብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ውራይና ስፖርት ትግራይ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ኣሎ ዝብል ቁሩብ ስፍሕን ዝርዝርን ዝበለ ፅሑፍ ምቕራበይ ይዝከር፣ ካብቲ ፅሑፍ ተበጊሶም ሪኢቶ ንዝሃቡኒ ኩሎም የቐንየለይ ክብሎም ይደሊ፡፡
ንሎሚ ንኣንበብቲ ቀሪበዮ ዘለኹ ኣርእስቲ "ሸማተሪዝም" መፀለም ስፖርት ትግራይ ዝብል እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ፅሑፈይ ብዛዕባ ኣማተሪዝም፣ ፕሮፌሽናሊዝም፣ ሓውሲ ፕሮፌሽናሊዝምን ሽማተሪዝምን ምስ ስፖርት ተኣሳሲሩ ዘለዎም ትርጉም ኣቐሚጠ ምንባረይ ይዝከር፡፡ ስለዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ሕታም ዘቐመጥክዎ ትርጉም መሰረት ብምግባር ንሎሚ ናብ ዝበልክዎ ክሰግር፡፡ ይኹን'ምበር ናብ ዝርዝር ፅሑፈይ ቅድሚ ምስጋረይ ዓርከይ ጋዜጠኛን ደራሲን ሰለሞን ኣባዲ ብዛዕባ ሓደ ሓደገኛ ፃህያይ እንተውገኒ ምስቲ ዝሃብክዎ ርእሲ ብጣዕሚ ስለዝተመሳሰለኒ ፅሑፈይ በቲ ሰለሞን ዝነገረኒ ክምስሶ፡፡
"ኣብ ትግራይና ዝፍለጥን ገባራት ትግራይ እቲ ፃህያይ ኣብ ዘራእቲ ብዘብፅሖ መጥቓዕቲ

ብኣምበስ ተወልደ

ካብ ትካል ኣማኻሪ ልምዓታዊ ስፖርት ባሎኒ መቐለ

መእተዊ

ስፖርት ናብ ኢትዮጵያ መኣዝ፣ ብመንን ብኸመይን ከምዝተኣታተወ ዝሕብር ንፁር ሰነድ የለን፣ ይኹን'ምበር ሰብ ፀጋ ዕድመ ከምዝሕብርዎ እቲ ስም ወይ ዝና ንደቂ ወፃኢ ይህብዎም፣ እዋኑ ድማ ኣብ ከባቢ 1916ዓ/ም ኾይኑ፣ በባዕሎም ንምግጣም ከም ጋንታ ኣጣይሾም ምንባሮም፣ ካብዚ ብተወሳኺ ብስራሕ መምህርነት ዝመፁ እንግሊዛዊያን ድማ ኣብ ዘምህርሉ ኣብያተ ትምህርቲ ተፈሪ መኮነንን ምኒሊክን ብምልላይ ከምዘሰፋፍሕዎ ብኣይተ ተፈራ ገዳሙ ዝተፅሓፈት ዓመታዊ መፅሄት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ “እግርኳስ በኢትዮጵያ” ንመስራቲን መራሒን ስፖርት ሃገርና ኣይተ ይድነቃቸው ተሰማ ምንጪ ብምግባር ዝተሓትመት መፅሄት ትሕብር፡፡ (1968፡5)  

ብኣንፃሩ መፅሓፍ "ኣፍሪቃን ኩዕሶ እግሪን" ከምዝሕብሮ፣ ኣብ 1928ዓ/ም ልዕሊ 60 ሺሕ ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ሓቢሮም ዝኣተዉ ሲቪላት ሰራሕተኛታትን ነጋዶን ኩዕሶ እግሪ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘተኣታተውዎን ኣብ ምምዕባሉ'ውን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበሩ ተቕምጥ፡፡ (2000፡70)

ስፖርት ናብ ትግራይ'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም ዝተኣታተወ እንትእመን ዕብየቱ ግና ምስ ምጅማር ዘመናዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ትግራይ

፩. መእተዊ፡-


ኣቱም ሰብ፣ ትግራዋይ ኮይንኻ ተበዳሊ ኣይግበርኻ፡፡ ኣብ ርእሲ ምብዳልኻ ኩሉ የባጭወልኻ፣ ይምከሐልኻ፡፡ በደል በፂሕካስ ተእዊኻ ነቲ በደለኛ ሓዲጎም ንዓኻ ይሻመዩኻ፡፡ከምዙይ ዓይነት በደል ዝበፅሓ ሰበይቲ ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ኢላ ይብሃል፡፡ ብዓል ገዛኣ ጎዞሞ ኣብ ውሽጢ ለቖታ ገይሩ ከም ገሾ ቕጥቅጥ ኣቢሉዋ፡፡ ኣውያ፤ ጎረባብቲ ረዲኦም ገልጊሎማ፡፡

ነቲ ብዓል ገዛኣ ብምንታይ ስለዝወቓዕኻ እዩ ክንድዝይ ኣምሪራ ዘእወየት? ክብሉ ሓቲቶሞ፡፡ዋእ፣ ሓንቂቃ እምበር ዘይነኻእኹዋ፤ ብዛ ሎቖታ እዚኣ እየ ቅሩብ ንኽእ ንኽእ ዘበልኹዋ ኢሉ ይምልስ፡፡ ድሓር፣ ብሎቖታ ተወቒዕኽስ እዚ ኹሉ ኣውያት ኢሎም ኣፋጢጦማ፡፡ምስክነይቲ ሰበይቲ ድማ ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ኢላ ይብሃል፡፡እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣደ ትግራወይቲ መሲላ ትርኣየኒ፡፡ህዝቢ ትግራይ እውን ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ዘብሉ ግዳማውን ውሽጣውን በደላት ይበፅሑዎ ኣለው፡፡ብውሽጢ ብውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ህወሓት ዝበፅሖ በደል ሰንሰን ክሳብ ዝብል ይርገፅ፣ ይጉዕፀፅ፣ይጉበጥ፡፡ከይፈተወ ዓዱ ገዲፉ ንክስደድ ይግበር፡፡ ብደገ ድማ ብቶም መባልዕትን መሳትይትን ህወሓት ኮነ ካልኦት ፀላኤ ሰብ ዘለዎም ወፃእተኛታት(ኣዕራብን ደቡብ ኣፍሪካን) ሓሳረ መከራኡ ይርእይ፡፡ህወሓት ይትረፍ ንምንታይ ኢላ ክትሓቶም ፀዊዓ ብዕሊ ትሽልሞም፡፡ንኣብነት ብአዴን፡፡

ትግራዋይ፣ከይበልዐ በሊዑ፣ከይሰተየ ሰትዩ፣ብዕሩቑ ኽዱን፣ ብስእኑ ርኹብ፣ ኸፊእዎ…ፋሕሽው  እናሃለወ መችይዎ…ምልዖ መሲሉ

ገላውዴዎስ ኣርኣያ ዶ/ር

ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣነ ኣብ ዝሳተፈሉ ናይ ፈይስቡክ (Facebook) ሓፋሽ ርክባዊ መድረኽ ቁፅሮም ውሑድ ዘይበሃል ተጋሩ ብዛዕባ ቋንቋ ትግርኛ ምይይጥ ብምክያድ ገለገለ ሓሳባት ተቐያይሮም ኔሮም:: ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ሓሳባት ብወገነይ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝረኸብክዎ “ንምንታይ ስነጽሑፍ ትግርኛ ከም ዝግባእ ኣብ ትግራይ ክምዕብል ዘይከኣለ?” ዝብል ሕቶ እዩ:: እዚ ሕቶ’ዚ ድማ ርትዓውነት ዘንጸባርቕ ጥራይ ዘይኮነስ ወቕታውን ብዕምቆት ተመርሚሩ ድማ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ:: ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣነ ብወገነይ ናይ’ዚ ጽሑፍ ርእሰ-ነገር ኣቐድም ኣቢለ ኣልዒለዮ ኔረ እዬ:: ንኣብነት ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ ቋንቋ ትግርኛ ብዝምልከት ሲምፖዝየም (ናይ ጥሙር ጽሑፋት ኣኼባ) ኣብ መቐለ ተኻይዱ ስለዝነበረ ብኣካል ተረኺበ’ኳ ከበርክት እንተዘይከኣልኩ ሕጽር ዝበለ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ግን ብነፍስሄር ኣርኣያ ዘሪሁን ኣቢለ ልኢኸ ኔረ:: እቲ ሲምፖዝየም ኤርትራውያን ከይተረፉ ዘሳተፈ እዩ ኔሩ:: ቅድሚኡ ድማ ከሙኡ ዓይነት ኣኼባ ተኻይዱ ኣይፈልጥን:: ዝዀነ ዀይኑ ግን ኣብቲ ሲምፖዝየም ዝቐረቡ ብዛዕባ ቋንቋ ትግርኛ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ተጠቓሊሎም ንሕትመት ስለዘይበቕዑ እቲ ፈለማዊ ኣኼባ ዕዉት ኔሩ ክበሃል ኣይከኣልን:: ኣብ ቀረባ ጊዜ ካብ ሓደ ቪድዮ (ቃለ-መጠይቕ ናይ መምህር ገብረኪዳን ደስታ) ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ግን መምህር ኣብቲ ሲምፖዝየም ተሳቲፎም ከምዝነበሩን እቶም ዝቐረቡ ጽሑፋት ድማ ኣብ ኢዶም ከምዘለዉ (ወይም ከምዝተሓትሙ) ዝተዛረቡ ይመስለኒ

ኣብ 1980 ሞስኮ ኦሎምፒክ ኣብ መበል 40 ዓመቱ ኽልተ ወርቒ ሜዳልያ ንሃገሩ ብምምፃእ ታሪኽ እንዳዘከሮ ዝነብር ህያዊ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት።

5 ጥቅምቲ 1937ዓ.ም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ፍሉይ ሽሙ ጐሎ መኸዳ ኣብዝብሃል ቦታ ዝተወለደ ፍርያት ክልልና ዝኾነ ሻምበል ኣትሌት ምሩፅ ይፍጠር ቅድሚ ናብ ውድድር ኣትሌቲክስ ምእታዉ ኣብዝተወለደሉ ኸባቢ ብሕርሻ ይመሓደሩ ንዝነበሩ ንወላዲ ኣቡኡ ኣይተ ይፍጠር ተኽለሃይማኖትን ንወላዲቱ ኣዲኡ ወይዘሮ ለተገብርኤል ገብረኣረጋዊ ንምሕጋዝ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ተቖፂሩ ብምስራሕ ይሕግዞም ነይሩ።

ጐናጐኒ ንስድርኡ እንዳሓገዘ ኣብ ስፖርት ይነጥፍ

ዘፅኣት (ዶ/ር)- ካብ መቐለ

ናይ ነገራት ኣንፈት ንዘስተብህል፣ ኣብ ቅድሚትና ዘለዉ ፈተናታት ካብቶም ዝሓለፍናዮም ኩሎም ብዓይነት፣ ስፍሓትን ዕምቆትን ዝዛየዱ እምበር ዝወሓዱ ኣይኮኑን፡፡ ስለዝኾነ ድማ በብግዚኡ ንዝፍጠሩ ጊዜያዊ ፀገማት ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ጥራሕ ተፀሚድና ኣብ ሰንፈለል ከይንነብር ጥንቃቐ ክንገብር ይግበአና፡፡

ብርግፅ ንቶም በብግዚኡ ዝፍጠሩ ሃንደበታዊ ፀገማት፣ ተጻብኦታት ግቡእን ተመጣጣኒን ግብረ-መልሲ ምሃብ ግድን እዩ፡፡ ንኣብነት፡ ንቲ ሐዚ ኣብ ከባቢታት ጎንደርን ካልኦት ከባቢታት ኣምሓራን ብኒ የጎንደር ሕብረትን መሰል ሓይልታት ትምክሕቲን ውዲት፣ ብገለ መራሕቲ ብአዴን ኣተሓባርነት፣ በዓል ግብጽን ሸዓብያን ኣይዞኹም

 

       ብዳንኤል ትካቦ /This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it./

መሰረታዊ ዕብየት ወድሰብ ተፈጥሮኣዊ እታወታት ዓለም ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ከም ተወሳኺ መሳለጢ ዕብየትን መፍረይ ፍልፍል ፍልጠትና ዝኾነ መሃዛይነትና እዉን እንገልፀሉ ብኡኡ ልክዕ ዓቕምና ኣዉፂእና ዘለና ፍሉይ ከእለት እነንፀባርቐሉ ባይታ እዉን እዩ ዓዉዲ  ትምህርቲ።

ኸይዲ ትምህርቲ ከባቢና፣ ማሕበረሰብና፣ ባህልናን ልምድታትናን ኣለሊና ክንፈልጥ ከምኡ ድማ ዝጠቕመናን ዝጎድአናን ካብ ጥቅሚ ዉልቀ ሰብነት ዘሊልና ዜግነታዊ እታወትና እነንፀባርቐሉ ከይዲ ለዉጢ ኣመለኻክታን ባህርን /Behavioral and Attitudinal Change/ እነምፀአሉ ሃዲድ እዩ ትምህርትን ኣብያተ ትምህርትን።

እዚ ከም መንደርደሪ መረዳድኢ ሓሳብ ሒዝና ኣብ ክልልና ልክዕ ከም ካልኦት ክልላት ሃገርና ዘይስሩዕ ቐረብ ትምህርቲ ወይ ድማ ልማዳዊ ፈላሚ እንዳ ትምህርቲ  ቤተሰብን ኣብያተ ክርስትያናት ምዃነን ከምዘሎ ኾይኑ መሰረታዊ ስሩዕ ትምህር ካብ መዉዐሊ ህፃናት ይጅምር። ። ፅሬት ከይዲ ስሩዕ /ዘበናዊ/ ትምህርትና ከመይ ይመስል? ወለዲ ደቆም ናብ ስሩዕ ትምህርቲ እንተእትዉሎም መሰረታዊ ከይዲ ክትትሎም እንታይ ይመስል? መዓልታዊ ዉዕሎ ደቆምን ለዉጢ ኣተሓሳስብኦምን ካብ መምህራኖም ንላዕሊ ከስተዉዕሉሉ ዝኽእሉ ምችዉ ባይታ ዘርጊሖም ዶ?  ብፍላይ ድማልዕሊ ካልኣይ ብርኪ ኣብ ዘለዉ መደባትን ዓዉድታትን ትምህርቲ “ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ደቅና እንታይ ይመሃሩ ኣለዉ?” ኢሎም ምስ ኣብያተ ትምህርቲ እኹል ረክቢ ልዉዉጥ ሓበሬታ ዶ ይገብሩ? ኢልና እንተሓቲትና እንረክቦ መልሲ “ክንድትዝድለ ኣይኮነን።” ዝብል እዩ። መንግስታዉን ዘይመንግስታዉን ኣብያተ ትምህትታትና ዋላ’ኳ ወ.መ.ሕ /ወለድን መምህራንን ሕብረት/ ኢለን

ከም ውራየይን ጋሻአን ኮይነ …

እዛ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት "ናይ ሓባር ታሪኽ እንበር ናይ ሓባር መስዋእቲ ዘይነበራ ሃገር" ንነዊሕ ግዜ ብጸቢብነትን ትምኽሕትን ብሄራዊ ጭቆናን ክትሕመስ እያ ጸኒሓ: "ብቀሊሉ" ካብቲ ብሄራዊ ጭቆና ዘትረፎ ስንብራት ጸቢብነትን ትምክሕትን ኽትወጽእ ከአ አይትኽእልን። ፍጹም ለውጢ "መስርሕ እንበር ናይ ገለ ዓመታት ዕማም አይኮነን": ናይ ትማል ወለዶ ነዚ ተረዲኡ አብ ታሪኽ አፍሪቃ ንመጀመርያ ግዜ ዝተፈላለዩ ውድባትን ብሄራትን ዝሐቆፈ ጽምዲ (ኢህወደግ) ተኺሉ ንሃገሩ ካብዚ ማሕለኻ ብሄራዊ መግዛእቲ ካብ ዘናግፋ እነሆ ርብዒ ዘመን ሐሊፉ አሎ።

በዚ መንጽር ንጽምዲ ኢህወደግ ሎሚ ክዕዘቦ ከለኹ ሐለፋ ካልኦት አብ አፍሪቃ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት

ኣብ ክልልና ካብ ዘለው የኒቨርስቲታት ሓደ ዘኾነ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ኣብ ሓጪር ግዜ ነዊሕ ዝተጎዓዘ ኣብነታዊ ዩኒቨርስቲ እዩ። እቲ ኣብ ሓፂር ግዘ ዝተጎዓዞ ነዊሕ ርሕቐት ግልፂ ምእንታን ክኾነልና ክጅመር ከሎ ዝነበሮን ሐዚ ዘለዎን ብኣሃዝ ኣደጊፍና ክንርኢ፦

ሕዳር 2004 እዩ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን  960 ተመሃሮ፣ 13 ክፍሊ ትምህርቲ፣ 4 ኮሌጅ፣ 94 መመሃራን፣ 109 ድጋፍ ወሃብቲ ዝሓዘ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘበን ትምህርቲ 12696 ስሩዕ ቀዳማይ ድግሪ፣ ማስተርስ 203 ተመሃሮ ኣተኣናጊዱ( ለሚዘበን ድማ 5600 ብስሩዕ ጥራይ ይቕበል ኣሎ)፤  ስራሕተኛታት 1350 ድጋፍ ወሃብቲ፣ መመሃራን 856፣ ድምር ቀወምቲ 2200፣። ክጅምር ከሎ 12 ብሎክ ፣ ሎሚ 190 ብሎክ ተሰሪሑ። ኣብ በዝሒ ተመሃሮ፣ ስታፍ ኣባላት ይኹም መሰረተ ልምዓት ብኽንደይ ዕፅፊ ከምዝዓበየ ገቢጥዎ።

ብኣቤል ጉዕሽ

ኩሉ ዝመሰሎ ክዛረብ እዩ ክፉት መድረኽ ተፈጢሩ። ከምቲ ዝተብሃለ እውን ኮይኑ። ኣብዛ ዓዲ ዝርኣዩ ፀገማት ኩሎም ይልዓሉ ኣለዉ። “ወዲ ሰራሒ ማዕፆ ዝብኢ ወሰዶ።” ይብሃል ኣሎ። “መብራህትን ስልክን ምቁርራፅ ኣሎ” ዝብሃል ዘረባ ከም ማስቲካ ይሕየኽ ኣሎ። ናይ መሬት ጉዳይ ይልዓል ኣሎ። ኣብ ኣብያተ ፍርዲ