፩. መእተዊ፡-


ኣቱም ሰብ፣ ትግራዋይ ኮይንኻ ተበዳሊ ኣይግበርኻ፡፡ ኣብ ርእሲ ምብዳልኻ ኩሉ የባጭወልኻ፣ ይምከሐልኻ፡፡ በደል በፂሕካስ ተእዊኻ ነቲ በደለኛ ሓዲጎም ንዓኻ ይሻመዩኻ፡፡ከምዙይ ዓይነት በደል ዝበፅሓ ሰበይቲ ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ኢላ ይብሃል፡፡ ብዓል ገዛኣ ጎዞሞ ኣብ ውሽጢ ለቖታ ገይሩ ከም ገሾ ቕጥቅጥ ኣቢሉዋ፡፡ ኣውያ፤ ጎረባብቲ ረዲኦም ገልጊሎማ፡፡

ነቲ ብዓል ገዛኣ ብምንታይ ስለዝወቓዕኻ እዩ ክንድዝይ ኣምሪራ ዘእወየት? ክብሉ ሓቲቶሞ፡፡ዋእ፣ ሓንቂቃ እምበር ዘይነኻእኹዋ፤ ብዛ ሎቖታ እዚኣ እየ ቅሩብ ንኽእ ንኽእ ዘበልኹዋ ኢሉ ይምልስ፡፡ ድሓር፣ ብሎቖታ ተወቒዕኽስ እዚ ኹሉ ኣውያት ኢሎም ኣፋጢጦማ፡፡ምስክነይቲ ሰበይቲ ድማ ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ኢላ ይብሃል፡፡እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣደ ትግራወይቲ መሲላ ትርኣየኒ፡፡ህዝቢ ትግራይ እውን ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ዘብሉ ግዳማውን ውሽጣውን በደላት ይበፅሑዎ ኣለው፡፡ብውሽጢ ብውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ህወሓት ዝበፅሖ በደል ሰንሰን ክሳብ ዝብል ይርገፅ፣ ይጉዕፀፅ፣ይጉበጥ፡፡ከይፈተወ ዓዱ ገዲፉ ንክስደድ ይግበር፡፡ ብደገ ድማ ብቶም መባልዕትን መሳትይትን ህወሓት ኮነ ካልኦት ፀላኤ ሰብ ዘለዎም ወፃእተኛታት(ኣዕራብን ደቡብ ኣፍሪካን) ሓሳረ መከራኡ ይርእይ፡፡ህወሓት ይትረፍ ንምንታይ ኢላ ክትሓቶም ፀዊዓ ብዕሊ ትሽልሞም፡፡ንኣብነት ብአዴን፡፡

ትግራዋይ፣ከይበልዐ በሊዑ፣ከይሰተየ ሰትዩ፣ብዕሩቑ ኽዱን፣ ብስእኑ ርኹብ፣ ኸፊእዎ…ፋሕሽው  እናሃለወ መችይዎ…ምልዖ መሲሉ

ይብሃል፡፡ካሊእ ይትረፍ ነብሱ ኣሕሲሩ ንድራር ዕለት እንትልምንን መፅረግን መልወልን ንክሸይጥ እግሩ ክሳብ ዝነቅዕ ፈቖዶኡ ጉዓዝ ክብል እናርኣዩዎን እኳስ ሰላይ እዩ ድኣም በሉዎ፡፡ናብራ ትግራዋይ ጥብሲ ክልተ እቶን ኮይና፣ ብዘይካ እቶም ሰብ ዘመን፡፡ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ንትግራዋይ ካባና ንላዕሊ ዝሕለቕ የለን ዝብሉ ተጋሩ ኣለው፡፡ትግራዋይ ክንዲ ድላዩ ይበደል ካብታ ንሕና ዝፈቐድናሉ ንላዕሊ ዓው ኢሉ ከእውይ የብሉን ኢሎም ይኣምኑ፡፡ኣበይ ከም ዘሕመካን ከም ዘሳሕየካን ንሕና ኢና እንፈልጠልኻ ይብልዎ፡፡እግረይ ኣሳሕይኒ እንትብል፣ ኣይ ኢድካ እዩ ዘሳሕየካ ዘሎ ይብልዎ፡፡ኣብ ዘየሳሐዮ ኣካሉ ንክሓክኽ ፅዕንቶ ይገብሩሉ፡፡ባዕሎም መርመርቲ፣ ባዕሎም መድሓኒት ኣዘዝቲ ክኾኑ ይደልዩ፡፡ነቲ ዝኣዘዙዎ ኹሉ ተቐቢሉ ዝፍፅም ‹‹ፅሩይ ትግራዋይ…ወዲ ላሕምና›› ይብልዎ፡፡ካብ ትእዛዞም ወፃኢ ንዝኾነ ግን ተጎጂሎም ክሓዲ ዝብል ፀለሎ ይልጥፍሉ፡፡

እታ ጉጅለኦም ንመትከላት ህወሓት ከም ዝትቃወም ይገልፁ፤ይኹን እምበር ብዕላማ፣ብስትራተጂ ይኹን ብስልቲ(ታክቲክ) ካብቲ ናይ ህወሓት ዝተፈለየ መምረሒ የብሎምን፡፡እታ ጉጅለኦም፣ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ‹‹ሕድሪ ሙሴ›› ብዝብል ጭርሖ እዮም ጀሚሮምዋ፡፡ሕድሪ ሙሴ ቁሩብ ፈንተት ከይበለት ቅሂማ፡፡ብምቕፃል ‹‹ሳልሳይ ወያነ›› ክብሉ ጨሪሖም፡፡ንሽሙ ‹‹ዕላማና ካብ ስሕተታት ቀዳማይን ካልኣይን ወያነ ተማሂርና… ነቶም ምዕቡል ጎኒታት ዓቂብና ብምግስጋስ ቀዳማይን ካልኣይን ወያነታት ዘይሳኸዑዎም ዕላማታት ምዕዋት እዩ ›› ይብሉ፡፡ ኣብ ተግባር መፂእኻ ግን ይትረፍ ስሕተታት ክእርሙ ዘየድልዩ ስሕተታት እንትፍፅሙ ትዕዘብ፡፡ ሕድሪ ሙሴ ይኹን ትርጉም ወያነ(revolution) እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ግልፂ ዝኾነ መልሲ የብሎምን፡፡ዝተረደኦም ኣይመስሉን፡፡ምኽንያቱ ድማ ትንታነኦም ኣብ ወቕታዊ ዛዕባታት ዝተደረኸ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ኣብ ትግራይና ይኹን ኣብ ሃገርና ዝኽሰቱ ፀገማት ቀንዲ መንቀሊኦም እንታይ እዩ? እቲ ዘላቒ መፍተሒ ኸ? ካብ ዝብል ከይኮነስ ካብ ግዝያዊ ዋዕያት ስለዝልዓሉ እዩ፡፡ሳልሳይ ወያነ እውን ግን ድሕሪ ሕይደት ኣዋርሕ ቅሂማ እያ፡፡

ሐዚ ድማ ‹‹ኣግኣዝያን›› ዝብል ጭርሖ ሒዞም ተላዒሎም ኣለው፡፡ሰለስቲአን ምንቅስቃሳት ስሩዕን ሕጋዊ ኣፍልጦን የብለንን፡፡ብፍላይ ‹‹ሃገረ ኣግኣዝያን›› ኣብ ስደት ብዝነብሩ ውሑዳት ኤርትራውያን እያ ብሰፊሑ ተተንቲና እምበር ብተጋሩ ኣሕዋትናስ ዕላዊ ዝኾነ ብያነን ትንታንን ኣይተገበረላን፡፡ገሊኦም ኣባላት እዛ ጉጅለ ግን ከምቲ ልሙድ ኣንፃር ሕጋዊ ተቓወምቲ ውድባት እዮም ዘሚቶም፡፡ግን ንምንታይ ከምኡ ይገብሩ? እቶም ተነሓነሕቲ ውድባት እኮ በትረ ስልጣን ኣይጨበጡን፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ፖሊሲ፣ መትከል፣መስመር፣ ስትራተጅን ስልቲታትን እቶም ውድባት ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ክልልና ይኹን ሃገርና ዘብፅሖ ፅዕንቶ ኣዝዩ ድሩት እዩ፡፡ንህወሓት ገዲፍኩም ንምንታይ ኣብ ልዕሊ ተነሓነሕቲ ውድባት ትረባረቡ? ተበልኻዮም ተገልቢጦም ክውሕጡኻ ይብሉ፡፡ምኽንያቱ ድማ እቲ መነፅሮም ከም ናይ ህወሓት ብምርክሰ ለኒን ወ ማኦ ዝተቐነየ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡

ድሓር ግን ዕላማኦም ንተቃወምቲ ምቅዋም ከምዝኾነ ግልፂ እናኾነ መፂኡ፡፡ደቂ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ንዝበሉ ሰባት ኣየለ ጫሚሶ ይብልዎም፡፡ገለ ኣራዳታት ኣዲስ ኣበባ እንተውግዑ፣ ቅድሚ መረፃ 1997 ዓ.ም ቅንጅት ዝብሃል ውድብ ነይሩ ይብሉ፡፡ ገሊኦም ድማ ቅንጅት ትብሃል ጤል ነይራ፡፡ኣብ መረፃ 97 ዓ.ም ብዘርአየቶ ምንቅስቃስ ‹‹ፀረ ልምዓት›› ኮይና ተረኺባ ብዝብል ፖለቲካዊ ፍርዲ ተቖሪና፡፡ካብኡ ዘይትብላዕ ዘይት ስተኾይና፤የመና ፎርቊዓ፡፡ ድሓር፣ ኣይተ መለስ ንኣይተ ኣየለ ጫሚሶ ‹‹ከም ድልየትኻ ግበራ›› ኢሎም ሂቦምም፡፡እቶም ስብኣይ ድማ ቆርበታ ገፊፎም ሎቖታኣ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም ይብሃል፡፡ኣይተ ኣየለ መረፃ ብዝመፅአ ቁፅሪ ነታ ለቖታ ሒዞም ኣብ ተለቪዥን ይርኣዩ፡፡ንምንታይ? ንዝብል ድማ ዓውዲ ክሓፍሱ ይብልዋቶም፡፡ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዘ ፈሰሰ ዘብል ምህርቲ ሓፊሶም መሰስ ይብሉ፡፡ሐዚ ማ ካብ ልምዓታዊ ተቓዋሚ ናብ ልምዓታዊ ብዓል ሃፍቲ ያ ተሸጋጊሮም፡፡እቲ ተቓውሞ ፀጋታት(እሴታት) ወሲኾም ስለ ዝሸጡዎ እዮም ልምዓታዊ ተባሂሎም፡፡ብኣይተ መለስ ብዝተዋሃቦም መምረሕን ፖለቲካዊ ህንፀትን ኣካቢ ክራይ ዝኾነ ተቓውሞ ታሪክ ንምግባር ዓጢቖም ተላዒሎም ይብሃል፡፡

ነስተውዕል፣ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ውራይ ሓሜትን መፀለምታን ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ኣይተ መለሰ ንኹሉ ነገር ብሽም ልምዓታዊ ኣመለኻኽታ እዮም ዝርእይዎ ነይሮም፡፡ድኻ ከብዲ እምበር ርእሲ ክህልዎ ኣይደልዩን፤ማለት እውን ካብ ከብዱ ንላዕሊ ክሓስብ የብሉን ዝብል ቅዋም ነይሩዎም፡፡ድኻ ከብዱ ተመሊኡ ኣኺሉ፡፡ልክዕ ከም ብዕራይ ከሽዐ እምበር ሕሊና ዝብሃል ክህልዎ ኣይፈቅዱን ነይሮም፡፡ኣብ ዲሞክራሲ ዝነበሮም ቅዋም ካብ ክልተ መማረፂታት ንላዕሊ ኣይሕሰብን፡፡ እቲ ፈላማይ መማረፂኦም ብኣምሳለ ኢህወዴግ ዝተቐረፀ ልምዓታዊ ‹‹ተነሓናሒ›› ውድብ ንክህልው ምፅዓር እዩ፤ ተዘይኮይኑ ግን ኢህወዴግ እንኮ ዓብላላይን ዝተረጋገዐን ውድብ ኮይኑ ንክቕፅል እዩ ዕላማኦም፡፡ዘይሩ ዘይሩ ፈለማ ቁጠባዊ ምዕባለ ብምቕፃል ድማ ማሕበራዊ ምዕባለ ክመፅእ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም፡፡ኣሌክስ ደዋል ናይ ኣይተ መለስ እሙን ፈላጢ ውሽጢ ከም ዝነበረ ይዛራብ፡፡ስለ ዲሞክራሲ ዝነበሮም ቅዋም ከም ዝስዕብ ከም ዝነበረ እውን ይምስክር፡፡ ‹‹He said his preference was to have two competing parties, each of which stood for developmental values, but in their absence the option would be a stable dominant party or dominant coalition, such as Japan or Sweden enjoyed in post-war decades.››[2] ኣብቲ ዋዕላ ዝተልዓሉ ነጥቢታት ብመልክዕ ቃለ ጉባእየ ዘርዚራ ኣቕሪባቶም እያ፡፡እቶም ኣብታ መፅሄት ዝተዘርዘሩ ሕቶታትን መረረታትን ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘላ ብግልፂ ዘመላኽቱ እዮም፡፡ካብቶም ዝተዘርዘሩ ዛዕባታት ውሑዳት ንምጥቓስ፣ ‹‹ንኣካላት ፍትሒ ወረዳ ይኹን ዞባ፣ ኮንትሮባንዲስት ደለልቲ እዮም ዝመርሕዎም ዘለው፡፡ፍትሒ ብሰብን ብገንዘብን ተወኒና እያ፡፡›› ዝብል መረረት ተወከልቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ይርከብ፡፡ተወከልቲ ዘባ ደቡብ ድማ ‹‹ዳያኑ፣ፖሊስ፣ ዓቃብያን ሕጊ ብላዕ ዝለመዱ ኣለው፡፡ቅፅዓት እውን ኣይውሰደሎምን፤ ሰብ ድማ ተሸቑሪሩ፡፡እቲ ሓረስታይ ማዳበርያ ብ700 ቅርሺ ገዚኡ ብ200 ይሸጦ ምኳኑ ትፈልጡዶ?ኣይጥቀመሉን፡፡ማዳበርያ ህዝቢ ዘየእመንካ ውሓጣ ይብሃል፡፡›› ከም ዝበሉ ተሰኒዱ ኣሎ፡፡

ኣብ ዞባ ማእኸል፣ እቲ ብሰፊሑ ዝተልዓለ ጉዳይ ‹‹ወረዳና ይመለሰልና›› ዝብል ሕቶ ህዝቢ ነበለት እንትኾን ብተወሳኺ ድማ ‹‹መንእሰይ ትሃንፆ እምበር፣ መንእሰይ ተምህሮ እምበር፣ መድርኽ ተትሕዞ እምበር ምቕጥቃጥ ግቡእ ኣይኮነን፡፡ብስንኪ ምውቃዕ ንክሕከሙ ክሳብ ዓይደር ዝመፁ መናእሰይ ኣለውና፡፡እዚ ኣስተምህሮ ኣይኮነን፡፡ብበትሪ ወቂዕኻ ዝምሃርን ዝስተኻኸልን እንተዝከውን ነይሩ፣ ዋእ! ኣድጊ ትውቅዖ ይበዝሕ፡፡ኣድጊ ዶክተር ምኾነት፡፡›› ክብሉ ፖላዊስ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ዘብፅሑዎ መህሰይቲ ሓቢሮም፡፡ከምዝይ ዓይነት መረረ ምስማዕ ልሙድ እኳ እንተኾነ ኣዝዩ ዘሕፍርን መዓንጣኻ ዝበልዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት እዩ፡፡

ኣብ ዞባ ምዕራብ ብሰፊሑ ዝተልዓለ ዛዕባ ምስ ወልቃይትን ከባቢኡን ዝተተሓዘ ስእነት ሰላምን ምርግግዕን፣ፍትሓዊ ብዘይኮነ ካሕሳ ካብ መረበትካን ግራትኻን ምምዝባል፣ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣፅዋርን ደቂ ሰባትን ዝነግዱን ዘዘዋውሩን ደለልቲን ዘስዕብዎ ማሕበራዊ ቅልውላውን ወዘተ. እንትኾኑ ብተወሳኺ ድማ ‹‹ብሽም ውፅኢት ተኮር ዘይበቐዑ ተመሃሮ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ይሰጋገሩ እዮም፤ ንፅሬት ትምህርቲ ጠመተ የለን፡፡›› ዝብል ተጠቒሱ ኣሎ፡፡ኣብ ዞባ መቐለ ድማ ምስ ምኽባር ወሰን ከተማ ዝተተሓሐዙ ሕቶታት፣ ንኣብነት እግሪ ሓሪባ፣ ገጠራት እንደርታ ከምኡ እውን ምርግጋፅ ናይ መሬት ዋንነትን ስእነት ማይን ተላዒሎም፡፡ዞባ ምብራቕ እውን ‹‹ስፍሕ ዝበለ ዘይሕጋዊ ስደት ዝርአየሉ እዩ፡፡›› ተባሂሉ፡፡ ብሓፈሻ ግን ስእነት ፍትሒ፣ ስእነት ስራሕ፣ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዘይምርካ(ምጉታት)፣ ስደት፣ ኮንትሮባንድን ዝውውር ደቂ ሰባትን፣ ዘይሕጋውያን ደለለቲ፣ ተሓታትነት ዘይብሉ ስልጣን፣ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ከም ዘሎ…ብኣጠቓላሊ ልዕልነት ሕጊ ከምዘይለ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሰስ ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ ዝተገበሩ ህዝባዊ ዋዕላታት ብተለቪዥን ትግራይ ይመሓላለፉ ነይሮም፡፡ዋላካ ተቖራሪፆም ዝቐረቡ እንተኾኑ እቲ ዝቐረበ ናይ ህዝቢ ሰምዒት እኹል እዩ፡፡ ኣብ ጣብያ ኣይናለም ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ‹‹ፍታሕ ፍፁም የለን›› ክብሉ ብግልፂ ተዛሪቦም፡፡ኣብቲ ዋዕላ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ‹‹ክራይ ኣካቢነት ክራይ ኣካቢነት ትብለኹም፤ ክራይ ኣካቢ መንድዩ ባዕልኹም ኮ ኢኹም፡፡ቅርሺ ንዘለዎ ተሐጉስዎ፤ ቅርሺ ንዘይብሉ ተብክይዎ›› ብምባል ነታ ሓቂ ቶግ ኣቢላታ[4] ክብል ትዕግስቱ ከም ዝወደአ ተዛሪቡ፡፡

ኣብዚ ከይተጠቐሰ ክሓልፍ ዘይግበኦ ጉዳይ ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ዘሎ ስራሕቲ መስኖ እዩ፡፡እቲ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝርከብ ሰፊሕ ጎልጎል ብመስኖ ምልማዕ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 15 ዓመታት ሓሊፎም ኣለው፡፡125 ጎዳጉዲ ኩዒትኻ ካብ ከርሰ ምድሪ ማይ ብምውፃእ ነቲ ብትግራይ ገፅ ዘሎ ኣከባቢ ብመስኖ ንክለምዕ ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ነይሩ፡፡ይኹን እምበር እተን 36 ጎዳጉዲ ጥራሕ እየን ኣብ ስራሕ ዝውዓላ፡፡እተን 89 ጎዳጉዲ(71.2 %) ሎሚ እውን ኣይተኸፈታን፡፡ምኽንያቱ ድማ ነቲ ማይ ዝስሕቡ ጀነረተራት ዘንቀሳቅስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግዛእ 23 ሚሊዮን ቅርሺ ንሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተኸፊሉ እንሃለወ እቲ ኤሌክትሪክ ክሳብ ሐዚ ስለዘይተለቐቐ እዩ ይብሉ ኣብቲ ኣከባቢ ዝርከቡ ሓለፍቲ ህወሓት፡፡

ብምዃኑ ድማ ብክልል ትግራይ ዝመሓደሩ ሓረስቶት ራያ ‹‹ኣብ ልዕሊ ማይ እናነበርና ንድርቂ ንጥቃዕ ኣለና፤ ካብቲ ዕለታዊ ሓገዝ እቶም ዝተኳዓቱ ጎዳጉዲ ይከፈቱልና፡›› ክብሉ ከም ዝተማሕፀኑ ሪፖርተር ብሰፊሑ ፀብፂቡዎ እዩ፡፡ፀብፃብ ሪፖርተር

እዛ ሕቶ እዚኣ ርእሳ ኽኢላ ንክትቐርብ ዝገበርኩሉ መኽንያት ንስምዒት ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ትገልፅ ኮይና ስለ ዝረኸብኩዋ እዩ፡፡ ቅድሚ 20 ዓመት ወረዳታት ትግራይ 81 ከም ዝነበራ ይፍለጥ፤ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ገለ ከባቢታት ሓሙሽተ ዝነበራ ወረዳታት ናብ ሓንቲ ጨፍሊቆምን (ኣድያቦ?)፤ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ሰለስተ ወረዳታት ናብ ሓንቲ ተጨፍሊቀን(እምባ ኣላጀ)፡፡

እተን 81 ዝነበራ ወረዳታት ትግራይ ናብ 33? ተጨፍሊቀን ይርከባ፡፡ እዙይ ድልየት ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኣይነበረን ጥራሕ ከይኮነስ በሓይሊ መልጢ ህወሓት ዝተወሰነ ከም ዝኾነ ይፍለጥ፡፡ክሳብ ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ‹‹ወረዳና ይመለሰልና›› ዝብል ሕቶ ብዕቱብ እናልዐሎ ይርከብ፤ ብፍላይ ህዝቢ ነበለት፡፡ህዝቢ ነበለት ‹‹ን20 ዓመት ዝሓተትናዮ ናይ ወረዳ ይመለሰልና ህዝባዊ ሕቶ ፀማም እዝኒ ረኺብና›› ይብል፡፡ሰላማዊ ሰልፊ ንክገብር ሓቲቱ እውን ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ “ ናብ ልመዓትኩም እተዉ። ካብዚ ወፃኢ ገለ ክፍትን እየ ዝበለ ግን ብህይወትካ ምፅዋት ስለዝኾነ ከይትሓስብዎ” ተባሂሉ፡፡እቲ ህዝቢ ግን ብ16 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም ኣብ እምባ ስነይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሩ፡፡እዚ ሕቶ እዝይ ንመብዛሕቲኡ ህዝቢ ትግራይ ዝሓቁፍ ሕቶ እዩ፡፡ህወሓት ግን ሐዚ አውን ትብተኸኒ እያ ትብል ዘላ፤ ነቲ ህዝቢ እምባ ስነይቲ ዘልዐሎ ሕቶ ድማ ብተወከልታ ‹‹ትግራይ 81 ወረዳታትን 12 ኣውራጃታትን (ዞባታት?) ይኹና ካብ ዝብል ዝልዓል ስለዝኾነ ናይ ደርጊ ኣወዳድባ ምንፋቕ እዩ፡፡››[7] ዝብል ጭርሖ ሒዙ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ፡፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ምስ ህዝቢ ነበለት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ‹‹ወረደና ትመለሰልና ዝትብል ጉዳይስ ናይ ነበለት ጥራሕ ድያ? ናይ ነበለት ጥራይ ተትኸውንስ ፈቲሕናዮ ምዓረፍና፡፡እዚ ሽግር እዚ ናይ ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ትፈልጥዎ ኢኹም፡፡››[9] ከም ርእይቶ ኣይተ መለስ፣ ለበዳ ክራይ ኣካብነት ዋላ መሰረቱ ነቕ ኣብ ዘይብል ደረጃ ንዝርከብ ጥርኑፍ መንግስቲ እውን ብቐሊሉ ሓሊኹ ከውድቖ ይኽእል እዩ ይብል፡፡ኣብ ከምዝይ ዓይነት ኩነታት ኣድላይን ዝክኣልን ዓይነት ዴሞክራሲ ከመይ ዝበለ እዩ? ዝብል ሕቶ እውን የስዕብ፡፡

ረግረግ ምወላን ክራይ ኣካቢነትን ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ መፅራግ ስለዘይክኣል ልምዓታዊ መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ክኾን ኣይኽእልን፡፡ማለት ‹‹How can the developmental state clean up the mess of patronage and rent-seeking in the initial stages of its establishment by anything other than undemocratic means? ››[11] ከም ማለት እዩ፡፡እዝይ እዩ ድማ ‹‹ብዘመነ ገበል፣ ዝሃቡኻ ተቐበል›› ዘብለኒ ዘሎ፤ እቶም ኣብ ሕገ መንግስትና ዝተዘርዘሩ ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ድኻታት ኢኹም ብዝብል ቅያዐ ብዕሊ ንዘይተወሰኑ ዓመታት ተናዊሖም፡፡

ነዝ ኣባሃህላ እዝይ ብዘይምዕሩይ ፖሊሲ ኣይተ መለስ ተረባሕቲ ዝኾኑ ‹‹ልምዓታዊ›› ሰብ ሃፍትን ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይን እውን ብዘይ ኽንከት ክደጋግምዎ ምስትውዓል ልሙድ እዩ፡፡ ካብዚኦም ሓደ ኣይተ ተስፋኪፎስ ዝብሃል ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ‹‹ሙለር ሪል ስቴት›› ስለ ኣድላይነት ዲሞክራሲ ተሓቲቱ ከም ዝስዕብ ይብል፡-

“What’s democracy? The opposition needs support by the middle class. When we have a middle class, we will have a stronger democracy. Until then, we have a nanny for the democracy. Democracy is a matter of education and civilisation – 85% of our population is farmers; we don’t know how to read and write. When you have a middle class, you push for your rights.”[13] ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ዘለዎም ፍፁም ጭካነን ንዕቐትን ክንድዝይ ዝኣክል እዩ፡፡እቲ ሓፋሽ ኣዝዩ ድሑር፣ካብ ዝወደቖ ዘይልዓል ኢደ እግሪ ዘይብሉ ድንዙዝ፣ምሕሳብ ዝተስኣኖ ደንቆሮ፣ምርኣይ ዘይኽእል ዕውር ስለ ዝኾነ ከማና ዝበለ ፍፁም ብልሕን ርትዓዊነትን ዝተዓደለ ወያናይ መሪሕ ውድብ የድልዮ ካብ ዝብል እዮም ዝልዓሉ፡፡ንሕና ንዓኻ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ግሃንም ናብ ምድራዊ ገነት ንምውፃእ ዝተለኣኽና መሲሃት ኢና፡፡ ስለዝይ፣ ብዓይኒ ዕሙተይ ተኸተለና እዮም ዝብሉ ዘለው፡፡

ነዚ እዩ ድማ ‹‹ዋእ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ድኣ ቅዱሳት እንድዮም፤ እቶም ኣብ ታሕቲ ዘለው እዮም እበር›› ዝብሃለለይ ዘሎ፡፡ኣምባገነንነት ነጊሱ፤ ዲሞክራሲ ነጊሱ እንሃለወ ‹‹ስእነት ሰናይ ምምሕዳር እዩ›› ዝብሃል ኣሽካዕላል እውን መሰረቱ እዝይ እዩ፡፡ንብቕዓት ሓይሊ ሰብን እኹል ቁሳዊ ሃፍትን መሰረት ዘይገበሩ ፖሊሲታትን ትልሚታትን ከይተጀመሩ ወይ እውን ተሓንኲሮም እንትተርፉ ‹‹ናይ ኣፈፃፅማ ፀገም እዩ›› ዝብሃለሉ መኽንያት እውን እዝይ እዩ፡፡እቲ መሪሕ ውድብ (vanguard party) ፍፁም ስለ ዝኾነ ፓሊሲታቱን ትልምታቱን እውን ፍፁማት ክኾኑ ኣለዎም፤ እቲ ፀገም ኣብ ታሕተወት ኣካላት እዩ ዘሎ ከዓ ይብሃለለይ፡፡ኢህወዴግ ይኹን እተን ኣርባዕተ ውድባት እቲ ግምባር ‹‹ኣታሓሳስባታትን ተግባራትን ክራይ ኣካቢነት ነጊሱ፤ ስልጣን ንህዝቢ መገልገሊ ከይኮነስ ንውልቃዊ ረብሓ ነውዕል ኣለና፣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተመሻጢሮም ፍትሒ ዘዛብዑ፣ዝሓርዱ ዝጎምዱ ደላላታት ነጊሶም…›› ከም ዝበሉ ስለ ዝረሰዕዎ ኣይኮነን ሐዚ ድማ ተገልቢጦም ‹‹ላዕለወት ሓለፍቲ ዘይሕተትሉ መኽንያት መርትዖ ስለ ዘይረኸበና እዩ›› ዝብሉ ዘለው፡፡ላዕለዎት ሓለፍቲ ‹‹ፍፁማት›› እንድዮም፤ ዝገበሩዎ ኹሉ ከም ፅላሎት ኣሰር ኣይርከቦን፡፡እምበር እማ፣ መትከል ዲሞክራሲያዊ ጥርናፈ ‹‹ተቖፂሩ ዝተወሃበካ፣ ቖፂርካ መልስ›› እንድያ ትብል፡፡እቶም ታሕተዎት ሓለፍቲ ካብ ትእዛዝ መሪሕ ውድብ ስድሪ እውን ፍሒት ኣይብሉን፡፡ዝተኣዘዝዎ ሰሪሖም፤ እቲ ኣዛዚ ክሕተት እናተገበኦ ንሳቶም ከም ደርሆ ኩሽ ይብሃሉ፡፡

ግን ፍፁም ሰብ ኣሎ ድዩ? ትሓታቲነትን ግልፅነትን ዘለዎ መንግስቲ ዘድልየሉ መኽንያት እንታይ እዩ?

ቅድምን ድሕርን ዘመነ ኣብርሆት ኣውሮፓ ዝተገበሩ ክትዓት ክተንብብ ከለኻ፣ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ከመይ ገይሮም እዮም ማእኸል ሓይሊ ስሕበትን ሕምብርቲ ስልጣነን ዓለም ኮይኖም? ዝብል ሕቶ መልሱ ከም ፅሓይ ፆመ ኣርብዓ ደሚቑ ይርኣየካ፡፡ድሕሪ ዕቱብን ርትዓዊን ክትዓትን ቶማስ ሆበስ፣ ጆን ሎክ፣ መንተስኲን ሩሶን ከምኡ እውን ንዓቶም ስዒቦም ኣብ ዓውደ ፍልጠት ታሪኽ ዓለምና ዝነገሱ ሊቃውንቲ ዝስማዕመዕሉ ነገር ተሃልዩ ወዲ ሰብ ክንዲ ድላዩ ምኽንያታውን ርትዓውን ይኹን እምበር ፍፁምነት ከም ዘይብሉ፤ንፅድቂ ከይኮነስ ንረብሓኡ ከም ዝነብር እዩ፡፡ ምናልባት ዓለም ንዒቑ ንሓዋሩ ዝመነነ ተዘይኾይኑ፡፡እምብኣር ከስ ወዲ ሰብ ፍፁም ሰለ ዘይኮነ እዩ ትሓታትነትን ግልፅነትን ዘለዎ መንግስትን ነዚ ዘረጋግፁ ትካላትን ዘድለይሉ መኽንያት፡፡ልምዓታዊ መንግስቲ ግን ኣንፃር ግልፅነትን ትሓታትነትን ጠጠው ዝበለ እዩ፡፡

ካብቶም አዝዮም ዘቕንኡኒ ክትዓት ‹‹The Federalist Papers›› ብዝብል ዝፍለጡ ፅሑፋት ኣሌክሳንደር ሃሚልተን፣ጆን ጄይን ጄምስ ማዲሰንን ይርከቡዎም፡፡ብፍላይ ጄምስ ማዲሰን ከምዝይ ይብል፡- ‹‹ሰብ መልኣኽ ተዝኾን ነይሩ፣መንግስቲ ኣይመድለየን፡፡ንህዝቢ ዘመሓዳድርዎ መላእኽቲ ተዝኾኑ ነይሮም፣ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ቁፅፅር ኣይመድለየን፡፡ንዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ዘመሓዳድረሉ መንግስቲ ኣብ ምቕራፅ ዘጋጥመካ ዓብዪ ፈተና ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡- ፈለማ መንግስቲ ህዝቢ ዝቆፃፀረሉ ብቕዓት ክተዕጥቖ ኣለካ፤ ብምቕፃል ድማ መንግስቲ ባዕሉ ንባዕሉ ንክቆፃፀር ድልው ክትገብሮ ኣለካ፡፡ኣብ ልዕሊ ሰብ እምነት ምሕዳር እቲ ቁፅሪ ሓደ መንግስቲ ዝተቆፃፀረሉ ሜላ ምዃኑ ናብ ሕቶ ዝኣትው እኳ እንተይኾነ፣ ተወሰኽቲ ሜላታት ቁፅፅር ከም ዘድልዩ ግን ወዲ ሰብ ካብ ልምዱ ተማሂሩ እዩ፡፡( If men were angels, no government would be necessary.If angels were to govern men, neither external nor internal controls on government would be necessary. In framing a government which is to be administered by men over men, the great difficulty lies in this: you must first enable the government to control the governed; and in the next place oblige it to control itself. A dependence on the people is, no doubt, the primary control on the government; but experience has taught mankind the necessity of auxiliary precautions. )›› ስልጣን መንግስቲ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ውሑዳት እንትኣትው ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ፣ ግዕዙይን ገባሪ ሓዳጊን ስርዓት ንክነግስ በሪ ስለ ዝኸፍት ድልየት ውልቀ ሰባት ዝግደበሉ መንገዲ ክህልው ኣለዎ፡፡መሰል ዓረሰ ምክልኻል መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ንሓደጋታት ክምክት ብዝኽእለሉ ሜላ ክህነፅ ኣለዎ፡፡ መንግስቲ ናይቲ ህዝቢ ነፀብራቕ ስለ ዝኾነ ብዘይካ ናይ ስልጣን ቁፅፅርን ምምጥጣንን(check and balance) ስርዓት ከይጥሓስ ምግባር ኣይክኣልን፡፡ናይቲ ሓደ ዓቐን ዘይብሉ ህርፋን ብናይቲ ካሊእ ድልየት ኣደብ ንክትሕዝ ክግበር ኣለዎ፤ ‹‹Ambition must be made to counteract ambition.››[15] ይብል ኣሌክሳንደር ሃሚልተን፤ገደብ ኣልቦ ስልጣን ይኹን ካብ ትዋጋኢት ላሕሚ ዘየድሕን ስልጣን ውዒሉ ሓዲሩ ንማሕበራዊ ዕንወት ከም ዝዳርግ ንምሕባር፡፡

ብፍልስፍና ወያናይ ዲሞክራሲ (ላዕለዩ ዘልዛል ከም ሞዳንግሊዝ) ግን እቲ ኣብ ዝልዓለ ስልጣን ዝተቐመጠ ሰብ ግልፅነቱን ተሓታቲነቱን ዜሮ እዩ፡፡ብመሰረት ኣወቓቕራ ዲሞክራሲያዊ ጥርናፈ(Democratic centralism) ስልጣን ካብ ካድረታት ተኣኪቡ ንማእኸላይ ኣመራርሓ ይውሃብ፤ ማእኸላይ ኣመራርሓ ንውድብ፣ ውድብ ንማእኸላይ ኮምቴ፣ ማእኸላይ ከምቴ ንፖሊት ቢሮ ፖሊት ቢሮ ድማ ነቲ ሊቀ መንበር የረክቦ፡፡እቲ ሊቀ መንበር ናይታ ውድብ ገባሪ ሓዳጊ ይኸውን፤ይሓትት፣ ይእዝዝ፣ ይቐፅዕ እምበር…ኣይሕተት፣ ኣይእዘዝ፣ ኣይቕፃዕ፡፡ ዓይኑ ዘፍጠጠ ፋሉልነት! ቭላድሚር ሌኒን ውድባዊ መዋቕርን ፖለቲካዊ ፍልስፍናን (ፕሮግራም) ቦልሸቪክ ዝፅሓፈ ሰብ እዩ፤ መሰረት ፅንሰ ሓሳብ ሌኒኒዝም፡፡ይኹን እምበር እቲ ፍልስፍናኡን ኣወቓቕራ ውድቡን ናበይ ከም ዘምርሕ ቀዲሞም ዝራኣዩዎ ሊቃውንቲ እቲ ዘመን ብዕቱብ ኮኒኖሞ ነይሮም፡፡ብፍላይ ሮዛ ሉግዝምበርግን ልዮቭ ትሮርስኪን ፍልስፍና ሌኒን ከም ጆሴፍ ስታሊን ዝበለ ሓራዲ ጎማዲ(ድያብሎስ) ነቲ ውድብ ክብሕቶ ከም ዝኽእል ተንቢዮም ነይሮም ማለት ይክኣል፡፡ትንቢታዊ ፅሑፍ ትሮትስኪ ከምዝስዕብ ይንበብ፣‹‹In the internal politics of the Party these methods lead to the Party Organization “Substituting” itself for the Party, the Central Commuttee substituting itself for the Party Organization, and finally the dictator substituting himself for the Central Committee.››[17]

ብተወሳኺ ድማ ‹‹እቲ ሌኒን ዝኽተሎ ዝነበረ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ፍፁም ጌጋ›› ከም ዝኾነ ትሕበር እሞ ብምቕፃል ድማ ‹‹ኣዋጅ፣ ቁፅፅርን ሓይለ መልጥን፣ ዓይኒ ንዘጥፈአ ዓይኑ ይጥፋእ ዝብል ኦሪታዊ ፍርድን ቅፅዓትን ብራዕዲ ምግዛእን ድኽመትካ ንምሕባእ ዝግበር ኣጉል ዕሽነት እዩ›› ትብል፡፡ ስለዝይ፣ እቲ ፍቱን ፈውሲ ብዘይገደብ ብምምያጥ፣ ዲሞክራሲ ብምስፍሕፋን ርእይቶታት ህዝቢ ብምቕባልን ህዝባዊ ተሳትፎ ሂወት ንክዘርእ ብምግባር ጥራሕ እዩ፡፡ህዝቢ ብምርዓድን ብምፍርራሕን ዝግበር መግዛእቲ ድሃላይ እምበር ሃናፃይ ኣይኮንን ትብል.[19]

መሪሕ ፍልስፍና ማሌሊት እዚኣ እያ፡፡እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ታሪኽ ዝሓረዮ፣ ፍፁም ርትዓውን መንፈሳዊ ልእኹን ስለ ዝኾነ ፈፂሙ ክሰሓሐት ኣይኽእልን ኢሎም ይኣምኑ፡፡እቲ ‹‹መለስ ንዝቕፅሉ 50 ዓመታት እንገዝአሉ መስርሕ ገዲፉልና እዩ›› ዝብሃል ግዜ፣ ኩነታትን ማሕራዊ መሰረትን ኣብ ግምት ዘየእተወ ጃህራ አውን መሰረቱ ካብቲ ፍልስፍና ይቕዳሕ፡፡ እቲ ክሰሓሐት ዝኽእል ታሕተዋይ ካድረ ጥራሕ እዩ፡፡ስለዝይ፣ ኣውራ ተሓታቲ እውን እቲ ታሕተዋይ ኣካል እዩ፡፡ እቲ ንቡርን ክኾን ዝነበሮን ግን ብግልባጡ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝልዓለ ስልጣን ዝተቐመጠ ሰብ ልዕሊ ኹሉ ግልፅን ትሓታትን ክኾን ነይርዎ፡፡ትሓታትነትን ግልፅነትን ዘይብሉ ስልጣን ፋሉለነት እዩ፡፡ሎርድ ኣክተን ‹‹ገደብ ኣልቦ ስልጣን ብዘይ ገደብ ይግዕዝይ (Absolute power corrupts absolutely) ›› ይብል፡፡

ጆን አዳምስ ድማ ‹‹ስልጣን ንግዕዝይና ዝተቓለዐ ስለ ዝኾነ፣ወሳንነት እቲ ስልጣን ብዝወሰኸ ቁፅሪ እቲ ብዓል ስልጣን ብስነ ምግባር ይኹን ብፀባይ ዝበለፀ ክኾን ኣለዎ ዝብል ናይ ህዝቢ ሕቶ እውን ብኡ መጠን ይውስኽ (Because power corrupts, Society’s demands for moral authority and character increases as the importance of the position increases) ›› ይብለካ፡፡  

ስለዝይ እቲ ሓራዲ ጎማዲ ከም ድላዩ ንክቐትል ዝኽእል ዕድል ተሃሊዩዎ ዲሞክራሲ ንኸነግስ ዘገድሶ ነገር ኣይህልውን፡፡ከም ድላይኻ ዝጉተትን ዝርገፅን ሓፋሽ ተሃልዩ ወይ ከምኡ ንምግባር ዘኽእለካ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ብቕዓት ክሳብ ዘለካ ትረግፅ፣ ትሓርድ ትጎምድ፡፡ከምኡ ምግባር ተዘይኽኢልኻ ኸ? ህዝቢ ይዕምፅ፤ ሰላም ይዝረግ፤ ዓዲ ትሕመስ፡፡እዝይ ድማ ናብቲ ሐዚ ዘለናዮ ኹነታት ይምርሐካ፡፡መንግስቲ ብስሩዕ መንግስታዊ ምሓውር ከመሓድር ስለዘይኽእል ስልጣኑ ንኣባላት ፀጥታ ንከረክብ ይግደድ፡፡እዝይ ግን ግዝያዊ እምበር ዘላቒ መፍተሒ ኣይኮንን፡፡እታ እንኮ ዘላቒት ፍታሕ ንዘተ፣ምይይጥን ክትዕን ምድላውን ነተን ህዝቢ ዘልዐለን ሕቶታት ምምላስን እያ፡፡እዚኣ ግን ቅድሚ ናብዝ ኹሉ ዕንክሊልን ምንግልታዕን ምብፃሕኻ ተትገብራ እያ እታ ዝቐለለት፤ ንምስላኡ ኳ ‹‹ቆልዓ ብንእሱ፣ ቆርበት ብርሕሱ›› ዝብሃል፡፡ምኽንያቱ፣ ዝተሃነፀ ኣይፈርስን…ብቐሊሉ ዘይሓውይ በሰላ እውን ኣይገድፍን፡፡እቲ መንግስቲ እውን ካብ ስዕረት ይድሕን፡፡ምኽንያቱ ህፁፅ ኣዋጅ ናይ ስዕረት መግለፂ እዩ፡፡መጀር ጀነራል ኣበበ ተ/ሃይማኖት(ጆቤ) ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ‹‹ንዓይ ስዕረት እዩ››[21] ሕድሕድ ኮንትራክተር ካብቲ ግቡእ ዋጋ ብማእኸላይ 10 ምኢታዊ ብላዕ ይከፍል ነይሩ፡፡ሰራሕተኛታት ግምሩኽ እውን ናብ ሃገር ኣብ ዝኣትው ሃለቕቲ ኣቕሑ ብኢደ ወነኖም ብማእኸላ 12 ምኢታዊ ብላዕ የክፍሉ ከም ዝነበሩ ይሕብር፡፡ እዝይ ግን እቶም ሙሰኛታት ከም ገበነኛታት ዘቑፅሮም ከይኾንስ ኣምራት ልምዓታዊ መንግስቲ ዝተረደኦም ‹‹ልምዓታዊ›› ሰረቕቲ እውን ምስ ልምዓታዊ ፖሊሲታት መንግስቲ ስለዝሰመሩ ጥራይ ከም መርኣያ እዩ ወሲድዎም፡፡እዘን ልዕል ኢለን ዝተጠቐሳ ኣብነታትን ኣበሃህላታትን ኣብ ካሊእ ማሕበረ ሰብ ብዙሕ ለውጢ ንከይህልወን ይኽእል፤ ‹‹ሲሾም ያልበል፣ ሲሻር ይቆጨዋል›› እናተብሃለ ኣብ ዝዓበየ ሕብረተ ሰብ ግን ፅዕንቶአን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ብስሩ እውን ግን ካብ ሕድሕድ ኮንትራክተር 10 ምኢታዊ ብላዕ ምቕባል ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን፡፡ ካብ ሓደ ቢልዮን ቅርሺ ሓደ ምኢቲ ሚልዮን ቅርሺ ብላዕ ይወስድ ኣሎ ማለት እዩ፡፡

ሓደ ኣብ ትግራይ ብግብርና ተቖፂሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ናይ ቕደም መማህርተይ ዘውግዐኒ ታሪኽ ድማ ክነግረኩም፡፡ኣብታ ዝሰርሐላ ጣብያ ዝነበረ ዓመታዊ እቶት ኣጋኒኑ ስለዘየሕለፈ ካብ ወረዳኡ ዝትሕት ደረጃ ተዋሂብዎ፡፡ ዳሓር እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ሓቲቶሞ፡፡ ንሱ ድማ እቶም ክለምዑ ተባሂሎም ዝተሓሰቡ ትልሚታት ስለ ዘይተዛዘሙ እቲ ዝተረኸበ እቶት ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ኢሉ ይምልስ፡፡እቶም ሓለፍቲ ድማ ‹‹እቲ ምህርቲ ንክስስን ምግባርስ ዋላ ኣይክኣል፤ ነቲ ቑፅሪ ኣሰሲንካ ምሕላፍ ከ እንታይ ዓጊትካ?›› ክብሉ ኣፋጢጦምሉ፡፡‹‹ብዓመቱ ግን›› ይብል እቲ መሓዛይ ፣‹‹ከምቲ ዝተኣዘዝኩዎን ከም ሃገረይን ቑፅሪ ጥራሕ ኣሰሰነ ስለ ዘመሓላለፍኩ ጥራሕ ካብ ወረዳ ሳልሳይ ወፂእኻ ተባሂለ ተሸሊመ›› ኢሉኒ፡፡እቲ ኣዝዩ ዝተጋነን ኣብ መሬት ዘየሎ ናይ ሓሰት ፀብፃባትን መኽንያቱ ንሱ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኡኒ፡፡ሐዚ ግን ስራሕ ቀይሩ ኣሎ፡፡

ኣይተ ስዩም መስፍን ምስ መፅሄት ውራይና ኣብ ዝገብሮ ቃለ መጠይቕ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ግዕዝይና፣ ‹‹…ሙስና እንተወሲድና እኮ ኣባና ክህሉ ዝኽእል ስቕ ኢልካ ጠልቆምቆም እዩ፤ኣብ ካሊእ ግን ብቢልዮናት እዩ ዝርከቦም፡፡ ስለዝይ ዝተጋነነ እውን ኣይኮንን፡፡››[23] ንምርካብ ተተሊሙ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ 77 ቢልዮን ቅርሺ ዘንቀሳቅስ ኮርፖሬሽን ልምዓት ሽኮር ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ህንፀት ሓንቲ ፋብሪካ እውን ኣይወደአን፡፡ብምዃኑ ድማ ይትረፍ 1.2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክረክብስ እቲ 77 ቢልዮን ቅርሺ እውን ኣበይ ከም ዝኣተወ ኣይተፈለጠን፡፡እዝይ ግን ንኣይተ ስዩም ‹‹ጠልቆምቆም›› እዩ፡፡እቲ ብልየን ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይተረኸበ ብቢልየናት ዝቑፀር ገንዘብ ግዳይ ግዕዝይና ኣይኾንሎን ምባል ኣይክኣልን፡፡

እቲ ኣብ ካሊእ ዓለም ዘሎ ልምዲ፣ ህንፀት ሓደ ፋብሪካ ሽኮር ንምዝዛም ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣይወስድን፡፡ኮርፖሬሽን ልምዓት ሽኮር ኢትዮጵያ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ህንፀት ሓደ ፋብሪካ ሽኮር ንምዝዛም ተወዓዒሉ ድሕሪ 8 ዓመታት ሓንቲ ፋብሪካ ሃኒፁ ኣይወደአን፡፡

መፅሄት ውራይና መዝገበ ገብራይ ምስ ዝተበሃሉ ወያናይ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ብዘይ ብላዕ(ጉቦ) ጉዳይኻ ምፍፃም ከም ዘይክኣል ሓቢሩ ኣሎ፡፡ወያናይ መዝገበ ከም ዝስዕብ ይብሉ፣ ‹‹ሓንቲ ነገር ሓቲትካ… ኣንታ ግዜ ሰልጢኑ እዩ… ዝግበር እንዶ ግበር ናይ ዘረባ እኮ ኣይኮነን ይብለካ፡፡ሃበና ክንውድአልካ ማለት እዩ! ናይ ባዕሉ ኮዳት እኒሀዎ እቲ ብላዕ! እቲ ጉቦ … ጉቦ ከይሃብካ ክትጠርዕ እንተይልካ ይስሕቑኻ እዮም፡፡ ኣበይ እዩ ኣንታ ነይሩ እዙይ ክሳብ ሐዚ ዘይተረደኦ ድሑር ይብሉኻ፡፡እየየየ…ዓርከይ ይበላካ…በቃ ምምንጫት እዩ…ክንደይ ኢልካ ድማ ከምእትህብ…ኣብ ሆቴል እኮ ኢኻ ጉዳይካ ትውድእ…››[25] ይብል፡፡ስለዝይ፣ መሰል ውሑዳት ዝኽበረሉ መኽንያት መሰል ብዙሓት ምእንታን ክኽበር እዩ፡፡መሰል ውሑዳት ኣብ ዘየኽብር ሕበረተ ሰብ ሰላምን ድሕንነትን ብዙሓት እውን ዋሕስ ኣይህልዎን፡፡ዘላቒ ረብሓና ንምርግጋፅ ክንብል ኢና መሰል ውሑዳት ንምኽባር እንግደድ እምበር ንፅድቂ ኣይኮንን፡፡

ብስሩ እውን ንዘልኣለም ሓያል ኮይኑ ዝነብር የለን፡፡በዝሒ ይኹን ሓይሊ ብግዘ፣ ቦታን ኩነታትን ዝተደረተ ስለ ዝኾነ ዘላቕነት የብሉን፡፡

በርትራንድ ሩሰል ዝብሃለ እንግሊዛዊ ሊቅ መርገፅትን ዕብለላን ብዙሓት ኣደብ እነድሕዘሉ መኽንያት ከም ዝስዕብ የቕምጦ፣ ‹‹The protection of minorities is vitally important; and even the most orthodox of us may find himself in a minority some day, so that we all have an interest in restraining the tyranny of majorities.››ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ንዘልኣለም ይንበር!፡- ምስ ኣሕዋትና ክንጃፋዕ ኣለና! ብምንታይ? ብሓሳብ። ቃላት፣ ሓረጋት፣ ሙሉእ ሓሳባትን ዓንቀፃትን ክፍንፅሕ ኢና። ርእሲ ሓውና ግን ሽሽ ኣይንብልን። ንወዲ ሰብ፣ ኣመለኻኽታኡን ኣተሓሳስባኡን ፈሊና ንፈልጥን ንወቅዕን። ብሓሳብ ንገጥም፤ ንስዓር ወይ ንስዕር።ብመርትዖን መኽኒያታዊነትን ንዝተሰነየ ክትዕ ድልዋት ኢና፡፡ እንኮ መሳረሒኡ ፕሮፓጋንዳ ንዝኾነ እውን ሜላታት ፕሮፓጋንዳ ተጠቒምና ክንምከት ኣለና፡፡ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ግን ወዲ ሰብ ዓርሱ ናይ ምግላፅ መሰሉ ክዕፈን የብሉን፡፡መሰላት ብነፃት ምሕሳብን ሓሳብኻ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ምግላፅን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት እዮም፡፡ንመንግስቲ ደጊፍካ ጥራሕ ምፅሓፍን ምዝራብን መሰል ከይኮነስ ሕሽክርና እዩ፡፡

ዶ/ር ያሬድ ለገሠ፣ ናይ ሕገ መንግስቲ ላዕለዋይ ክኢላን ጠበቓን እዮም፡፡እዞም ላዕለዋይ ብዓል ሞያ ሕጊ ምስ ሪፖርትር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ንመሰል ዓርስኻ ምግላፅ(ፊደል ‹ግ› ላሕሊሓ ትነበብ) ከም ዝስዕብ ኣቐሚጠሞ፤‹‹ናይ ወድ ሰብ ቁጠባውን ናይ እንጀራ ሕቶን ብምምላስ ተቐባልነት ንምርካብ ምፍታን ኣግባብነት የብሉን፡፡ ኢህወዴግ፣ መሰለይ ተጋሂሱ ክትብሎ ከለኻ ብዛዕባ ልምዓት እዩ ዝዛረብ፡፡መሰላት ስቪልን ፖለቲካን እውን መግለፂታት ሰብኣዊነት እዮም፡፡ ናይ ምዝራብ ነፃነት እንትግሃስ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ ዝግሃስ… ናይ ምዝራብ ነፃነት መራሒ ንምውዳስ ዝተቐመጠ ነፃነት ኣይኮንን፡፡ብመሰረቱ ናይ ምዝራብ ነፃነት ዘድለየሉ መኽንያት ንምቅዋምን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ንምቕራብን እምበር መንግስቲ ንዝድግፎምን ዝሕጎሰሎምን ድምፂታት ምግዋሕ ናይ ምዝራብ ነፃነት ኣይኮንን፡፡ከምኡ ተኾይኑ እማ ኣድላይ ዘይኮነ ምድግጋም እዩ፡፡ ሕገ መንግስቱ መንግስቲ ክገብሮምን ክገብሮም ዘይኽእልን ነገራት ዝሓዘ ሰነድ እዩ፡፡ሐዚ ግን፣ ዓንቀፅ 29 ከይዱ ከይዱ መንግስቲ ዝደልዮም ነገራት ጥራሕ ናይ ምዝራብ መሰል ናብ ዝብል ደረጃ ወሪዱ ኣሎ፡፡ ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓ ንፖለቲካ ባህልና ሸርሺርዎ፡፡ ናይ ምዝራብ ነፃነት ኩሎም መሰላት ወዲ ሰብ ንምፍፃም ቁልፊ እዩ፡፡ይኹን እምበር ልዕሊ ኩሎም መሰላት ተበዲሉ ዘሎ ናይ ምዝራብ ነፃነት እዩ፡፡››[28] ብምባል ንኣበሃህላ ዶክተር ያሬድ ተራጉዶ፡፡

  1. ትግራዋይነት ዝዕድሉ ጣብያታት ኣይንደልን፡- ንዝኾነ ይኹን ትግራዋይ ዘሎን ዘየሎን መፀለምታታት ንምልጣፍ ኣይንህንደድን፡፡ማሕለኻታት፣ ዓፀባታት፣ ኣዝዮም ፈተንቲ ፀገማት ምስ ዘጋጥሙና ኣውራ መንቀሊታቶም ብምልላይን ብምእላይን ዘላቒ መፍተሒ ነናድይ እምበር ብዓይኒ ዕሙተይ ምስ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ንምልጋብ ኣይንችኩልን፡፡ ብኣብነት ከረደእ ይፈቐደለይ፡- ኣይተ ሞላ ኣስገዶም  ‹‹ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ዴሞክራሲን ልምዓትን ፀገም ኣሎ፣ እዚ ከዓ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ወያነ ኮይንካ ብፖለቲካዊ ቓልሲ ክፍታሕ ኣይኽእልን እዩ፤ እዚ ክፍታሕ እንተኾይኑ ብረት ኣልዒልካ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል››ካብ ዝብል ቅዋም ተበጊሶም ኣብ በረኻታት ኤርትራ ሰፊሮም ምንባሮም ይዝከር፡፡ምስ ሻዕብያ ኮይኖም ድማ ሃገርና ብፍላይ ድማ ንትግራይና ይድምዩዋ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

መናእሰይ ትግራይ ተገዲዶም ይኹን ብፍቓዶም ናብ ኤርትራ የምርሑ ምንባሮም ኣይርሳዕን፡፡ ድሓር ግን ብ2008 ዓ.ም ልዕሊ 800 ኣባላት ደምሒት እናመሪሑ ናብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ብሰላም እንትኣተው ክልተ ኢድና ዘርጊሕና ብታሕጓስ ተቐቢልናዮም፤ ናይ ጀግና ኣቀባብላ እውን ገይርናሎም፡፡ ሐዚ እውን እንተስ ብስሕተት እንተስ ካብ ሕርቐት ተላዒሎም ናብ ዘየድልይ መንገዲ ንዘምረሑ ኣሕዋትና ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ንክምለሱ ንላበዎም እምበር መንነቶምን ሰብኣዊ መሰሎምን ንምግፋፍ ኣይነፃደፍ፡፡ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታ ይኹን ኣተሓሳስባ ተሃልዩ ትኽክለኛ ኣተሓሳስባ ብምቕራብ ክሰተኻኸል ኣለዎ እምበር ሽም ብምጥፋእን ‹‹ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ›› እናበለኻ ብምፅላምን ክኾን የብሉን፡፡ገለ ኣየለ ጫሚሶታት ግን ከምዙይ ይብሉ፣‹‹ኣብ ቀፃላይ ስርዓት ዝቑልበጠሉ ዕድል ንምምችቻው ከም ዝሰለለ ከልቢ ብድሓር ዝሰልቡና ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ዘረፋን ሞትን ተኸቲሉ ተጋሩ ናይ ኢድኩም ኢኩም ረኹብኩም ዝብል ናይኒ ክስቶን(ሽም ንዘይምፅራሕ) መሻርኽቱን ሰለብቲ ኣታሓሳስባታት እውን ናብ ዕዳጋ ይቐርቡ ኣለው፡፡›› መርትዖ ኣምፅኡ ተበልካዮም ግን ኣቕርቡን፡፡

  1. ኣውራ ፃላኢና ፋሉልነት እዩ፡- ክደግሞ እየ፣ ኣውራ ፀላኢና ፋሉልነት እዩ፤ ቅደም ይኹን ሎሚ ከምኡ እውን ንቕድሚት፡፡መፍተሒኡ ድማ ልዕልነት ሕጊ ንክነግስ ምቅላስ እዩ፡፡ሓርነት ብልዕልነት ሕጊ ኣቢሉ ይረጋገፅ፡፡ብዘይ ሓርነት የለን ሓድነት! ከም ጭርሖ ይቆፀር፡፡ፋሉልነት ማለት ከምቲ ቶማስ ሆበስ ‹‹State of Nature›› ዝበሎ ኩነታት ኣልቦ ፍትሕን ርትዕን…ዘመነ ኣካሒዳ…ዘመነ ሕንጉጓይ…ዘመነ ተበላላዕ…ዘመነ ሕረዶ ጉመዶ ዘመላኽት እዩ፡፡ከምዝይ ዓይነት ኩነታት ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት (2008 ዓ.ም) ኣብ ጎንደርን ገለ ክፋላት ክልል ኦሮምያን ብወሳናይ መልክዑ ተኸሲቱ እዩ፡፡ሰላም እንትዝረግ ዋሕስ ኦፊርካ ምእታው ይኹን ውዒልኻ ምሕዳር ኣይህልውን፡፡ሞትኻን ሕየትካን ዝተረጋግፀሉ መንገዲ ይጠፍእ፡፡ማሕበራዊ ውዕሊ ዘድልየሉ መኽንያት ከምዝይ ዓይነት ኩነታት ንከይፍጠር እዩ፤ ዋሕስ ድሕንነት፣ ዋንነትን ሓርነትን ንምርግጋፅ፡፡ልዕልነት ሕጊ ምስ ዝጥሓስ ድማ ስነ ስርዓት ንብል፡፡ 
    1. 1.           ስነ ስርዓት!

ነዛ ሓረግ እዚኣ ዘይፈልጥ ትግራዋይ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ተሃልዩ ግን ብናይ ተጋሩ ባህሊ፣ ስርዓትን ወግዕን ዝዓበየ እዩ ምባል ከቢድ እዩ፡፡ወለድና ካብ ዕሸልነትና ጀሚሮም ‹‹ስነ ስርዓት›› እናበሉ ስርዓት ኣትሒዞም ኣዕብዮምና፡፡ዝኾነ ዘይልሙድን እቲ ማሕበረሰብ ዘወገዞን ነገር ክንፍፅም ምስ ዝዕዘቡ ‹‹ስነ ስርዓት›› ይብሉ፡፡እቲ ቅደም ቅደም ብህገ ኣምላክ እውን ይብሃል ነይሩ፡፡ህገ ኣምላክ ካብ ፍልፍላት ዘመናዊ ሕጊ እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ሊቃውንቲ ስነ ሕጊ ይኣምኑ፡፡ብዝኾነ ግን፣ ስነ ስርዓት ይብሃል ዋላ እውን ብህገ ኣምላክ  ኣውራ መልእኽቱ ‹‹ልዕልነት ሕጊ ይከበር›› ዝብል እዩ፡፡

ህዝቢና ሐዚ እውን በዘይ ይኣምን፡፡እቶም ተማሂርና በሃልቲ ግን ብዝይ ኣይኣምኑን፤ ምናልባች ንይጨላኡ ክደጋግምዎ ይኽእሉ፡፡ክትግብርዎ ክሳብ ዘይረኣና ግን ኣሚኖምሉ እዮም ዝዛረቡ ዘለው ክንብል ኣይንኽእልን፡፡ማርክስ ከምዙይ በለ፣ ሌኒን ድማ ከምዙይ ኢሉ ነይሩ፣ ብፃይ ማኦ ከምዙይ ኢሉ፣ ጀነራል ፓርክ ከምዙይ ዓይነት ስርዓት ይኽተል ነይሩ…ስለዝይ ንሕና እውን ከምኡ ክንብል ኣለና ኢሎም ይንየቱ፡፡እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ዝተፈለየ ማሕበረሰብ፣ ኣብ ዝተፈለየ እዋንን ቦታን ዝተፈላለዩ ነገራት ከም ዝተዛረቡ ኣይስቆሮሞን፡፡ዓውዲ ዝብሃል ነገር ፈፂሙ ኣይርደኦምን፡፡ንሕና ኣብ ዝተፈለየ ቦታን እዋንን ዝተፈለየ ባህልን ፀጋታትን ምስ ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ኢና ንነብር ዘለና፤ ስለዚይ እቲ ክትከል ዘለዎ ስርዓት እውን ዝተፈለየ ክኾን ኣለዎ ኢሎም ኣይሓስቡን፡፡የግዳስ ንርእሶም ኣነ እየ ትኽክለኛ ማርክሲስት ሌኒንስት፣ ማኦይስት ወዘተ. እናበሉ ክንየቱ ትዕዘብ፡፡ብሓቂ የሕፍር!

ህዝቢና ስነ ስርዓት ይብል፤ ንሶም ግን ስነ ማርክሰ…ሌኒነ…ማኦ ይብሉ፡፡ህዝብና ብልዕልነት ሕጊ ይኣምንን ይምካሕን ንሶም ግን ብልዕልነት ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ይንየቱ፡፡ዓለም ብላሽ! ዕርያ ንሶም ታይ ገይሮም፤ እቲ የማነ ፀጋም ከይበሉ ዝገበሩዎ ፋሉል መነፅሮም እዩ ከምኡ ዝገብሮም ዘሎ፡፡ነቲ መነፀር(ወያናይ ዲሞክራሲ) ነኻኺእናዮ እንዲና ብሰላም ተቐንይና ካሊእ መዓልቲ ብሰፊሑ ክንርእዮ ኢና፡፡ንሐዚ ግን እቲ ዓብዪ ፀገም ንሱ ከም ዝኾነ ሓቢርና ንቐፀል፡፡ገብረ ስላሰ ዝብሃል ሓደ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ናይ ፌስቡክ መሓዛይ፣‹‹ናይ ሕጊ ልዕልና ዘይተረጋገጸሉ ሃገር ልምዓቱን ሰላሙን ዘላቕነት ኣይህሉዎን።›› ይብል፡፡ ገብረ ስላሰ ብወረቀት ተጠሪዙ ዝተቐመጠ ሕጊ ጥራይ ከይኮነስ ልዕልነት ሕጊ ብተግባር ኣብ ዝተመስከረሉ ሃገር ዝነብርን እዩ፡፡ካብቶም ልዕልነት ሕጊ ወይ ከዓ ልዕልነት ስርዓት ናይ ሓንቲ ሃገር ትርግታ ልቢ ከም ዝኾነ ዝተሰወጦም እዝዮም ውሑዳት እውን እዩ፡፡

መብዛሕቲኡ ሰብ(ብፍላይ እቲ ምሁር እየ ብሃላይ) ክስቆሮ ዘይኻኣለ ጉዳይ ስነ ስርዓት፣ ብህገ ኣምላክ፣ ልዕልነት ሕጊ ይከበር ዝብሉ መሰረታዊ ኣምራት እዮም፡፡ልዕልነት ሕጊ ወገሐ ፀብሐ ይጥሓስ፤ ብልዕልነት ሕጊ ከይኮነስ ብልዕልነት ዕሉላት እናተጀፋዕና ንርከብ፤ሓደ ትግራዋይ ካብ ስልጣን ስለ ዝወረደ ወይ እውን ገለ ተጋሩ ናብ ዝልዓለ ስልጣን ስለ ዝደየቡ ጥራሕ ትግራይ ዝሓልፈላ ዝመስሎ ብሃም ትግራዋይ ያሒት እዩ፡፡

ሞትን ሕየትን ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕልነት ሕጊ ዝተደረኸ እዩ፡፡ ውልቀ ሰባት ካብ ድላዮም ይምፀኡ ልዕሊ ሕጊ እንድሕር ድኣ ኮይኖም ሃገር ኣብ ኣፋን ዕርበታን ከም ዝበፅሐት ዘመላኽት ቀይሕ መብራህቲ በሪሁ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ቀይሕ መብራህቲ ካብ ዝበርህ ሓያሎ ዘመናት ሓሊፎም፡፡ ሐዚ እውን ነቲ ቀይሕ መብራህቲ ናብ ብጫ ኢሉ እውን ናብ ቆፅላዋይ ሕብሪ ንምቕያር ዝተዳለወ ወይከ የለን፤ ተሃሊው እውን ብተግባር ንምርኣይ የብቅዐና፡፡

  1. 2.          ተገፈዑልና

ህዝቢና ስነ ስርዓት፣ ብህገ ኣምላክ፣ ብዝባን ሕጊ…ልዕልነት ሕጊ ይከበር ካብ ዝብል ፀኒሑ፡፡ ዳሕራይ ድማ ሰማዒ ስለ ዘይረኸበ ተገፈዑልና ናብ ምባል ኣቲው፡፡ምሕፅንታ ተገፈዑልና ኣስሚዑ እውን እቲ ግህሰት ሕጊ ጠጠው ኣይበለን፡፡ህዝቢና መስተውዐሊ ስለዝኾነ መኪና፣ ፋብሪካ፣ ገዛውቲ ወዘተ. ኣየቃፀለን፣ መስታወት ኣይሰበረን…ህይወት ኣይጥፈአን…ግህሰት ሕጊ ብግህሰት ሕጊ ስለዘይእረም፡፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን ከምኡ ተገይሩ፡፡ መንግስቲ እውን ኣድላይ ናብዘይኾነ ህዝባዊ ጎንፂ ኣቲው፡፡እቲ ስርዓት ሰላምን ምርግጋእን ብቲ ልሙድ መንገዲ ከረጋግፅ ስለዘይኸኣለ ህፁፅ ኣዋጅ ንክእውጅ ተገዲዱ፡፡ነቲ ብፍናኑ ዘፍረሶ ማሕበራዊ ውዕሊ (social contract…rule of law) መሊሱ ንምህናፅ ብዓሚቑ ክሕደስ እየ ይብል ኣሎ፡፡ይግበሮ!  ህዝቢና ግን ናብዙይ ቅድሚ ምብፃሕና ነገራት ነስተኻኽል ካብ ዝብል ፀኒሑ፡፡

ገለ መሻረውቲ ነፋሒቶታት ‹‹ኣውራ ፀላኢና ድኽነት እዩ›› ክብሉ ይሰምዕ፡፡ነዞም መሻረውቲ ሕሊናኦም ሸይጦም ዝኽተሉ መፍለሳት ድማ መመሊሶም የጋውሕዎ፡፡ንዓይ ድኽነት ውፅኢት ፋሉለነት እምበር ካሊእ ኣይኮነን፡፡እዚ ግልፂ ዝኾነልና ‹‹ንምንታይ ደኽቲምና?›› ዝብል ሕቶ ምስ እንሓትት እዩ፡፡መንቀሊታት ድኽነትናን ድሕረትናን እንታይ እዮም? ኢልና እስኪ ንሕተት፡፡

እኹል ሃፍቲ ተፈጥሮ የብልናን ዝብሉ ኣይስኣኑን፡፡እዝይ ግን ምስ ወድዓዊ ሓቂታት ኣይቃደውን፡፡ሃፍቲ ተፈጥሮ እማ መሊእና እዩ፤ እቲ ዘለናስ መዓዝ ተጠቒምናሉ? ሰፊሕ ሃፍቲ ‹‹ትሪዚም›› ኣለና፤ ወርቂ ሓዊሱ ብዙሓት መዓድናት ኣለውና፣ ፖታሽን ነዳድን ኣለና፡፡ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ናብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘይልወጥ ነገር ዳርጋ የለን፤ እምኒ ስሚንቶ፣ጃህያ ወዘተ. ይኸውን፡፡ እቲ ሓመድ እውን ናብ ብረት ይልወጥ፡፡እዚኦምን ካልኦትን ኣለውና…ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡ተዘይህልውና ነይሮም እውን ግን ቀንዲ መንቀሊ ድሕነትና ኣይኮኑን፡፡እስራኤል፣ ሲንጋፖር፣ ኖርወይ እናበልና ሃገራት ክንዝርዝር ኣይንውዕልን እምበር በቲ ናትና ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሃርፉ ብዙሓት ስልጡናት ሃገራት ኣለው፡፡

ናይ ህዝቢና ድሕረት እውን መንቀሊ ድኽነትና ኣይኮነን፡፡ብሰሩ እውን ህዝቢና ድሑር ኣይኮነን ኢለ ይኣምን፡፡ኣዝዩ ግስሩጥን ድሑርን እማ እቲ ጥማር ወረቀታት ስለዝሓቖፈ ጥራሕ ተማሂረ ዝብል ወታፍ እዩ፡፡እምበር ህዝቢና እማ ዓቃል፣ፀዋር፣ ሃርኳት፣ ቅኑዕ…እዩ፡፡ነቶም ‹‹መሪሕ ውድብ›› ኢና ብሃልቲ ማለሊታውያን ብተዓፃፃፊ ከም ዝበልፆም ካብ ኣንደበቱን ተግባሩን የመስክር፡፡ንሶም እንትብዕልጉ፣ ሕግን ሰረትን እንትጥሕሱ ምስ ዝርእይ ስነ ስርዓት፣ ብህገ ኣምላክ፣ ልዕልነት ሕጊ ይከበር እናበለ ይርከብ፡፡

ስለዝይ ኣውራ ፀላእትና ፋሉላት ገዛእቲ እዮም፡፡እኒ ኣሳማጉሉ ሃገራት ንምንታይ ይፈርሳ(ይወድቃ…Why nations fail)[30] ይብል ካብቶም ንሽልማት ኖቤል ዘሸነፉ ውሑዳት ዝኾነ ኣማርትያ ሰን፡፡

ዊልያም ኢስተርሊ እውን ከምቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ብሽም ልምዓት ፖለቲካን ስቪልን መሰላት ንዝግህስ ስርዓት ከም ዝስዕብ ይገልፆ፣ ‹‹ከምቲ ቅደም ንጉሳዊ ስልጣን መለኮታዊ መሰል እዩ ዝብሃል ዝነበረ ሎሚ ድማ ልምዓት መሰል ውልቀ መለኽቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ሎሚ፣ ብላዕለወት ክኢላታት ዝሕገዙ ውልቀ መለኽቲ ንልምዓት ከም ጉልባብ ይጥቀምሉ፡፡ (What used to be the divine right of kings has in our time become the development right of dictators. The implicit vision in development today is that of well-intentioned autocrats advised by technical experts.)›› እንኮ ዋሕስና ልዕልነት ሕጊ እዩ፡- ሕገ መንግስቲ ሃገርና ፍልፍል ዘለቕቲ ረብሓታትናን ርትዓዊያን መርገፂታትናን እዩ፡፡ስለዝኾነ ድማ ሰበስልጣናት መንግስቲ ሓዊሱ ኩሉ ሰብ ንከኽብሮ ክንቃለስ ኣለና፡፡ሕገ መንግስቲ(ሰነድ ማሕበራዊ ውዕሊና) ተዘይተኸቢሩ ልዕልነት ሕጊ እውን ኣይኽበርን፡፡ልዕልነት ሕጊ ቅድሚት ዝስራዕ ሃገራዊ ጉዳይ እዩ፤ ቅጠባ፣ ፖለቲካን ባህልን እውን ልዕሊኡ ክኾኑ ኣይኽእሉን፡፡ምኽንያቱ ልዕልነት ሕጊ ኣብዘይብሉ ይትረፍ ዘይነበረና ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ክነምፅእስ ነታ ዘላትና ጭባጦ እውን ክንዕቅባ ኣይንኽእልን፡፡ይትረፍ ኣለኒ እንብሎ ንብረት ክንዕቅብስ እታ እንኮ ህይወትና እውን ኣብ ሕቶ ምልክት እያ ትነብር፡፡ብኣውራኡ ድማ ልዕልነት ሕጊ የለን ማለት ሓርነት የለን ማለት እዩ፡፡ሓርነት ተዘይሃልዩ ድማ ሓቀኛን ዘላቕን ሓድነት ኣይህልውን፡፡ርትዓዊ ሓድነት ኣብ ዘላቒ ረብሓ ዝተመስረተ እዩ፡፡ብሃለዋትኻ፣ ሰብኣዊ ክብርኻን ዘላቒ ረብሓኻን ዝመፅእ ኩሉ ፋሉል እዩ፡፡ፋሉል ድማ ናይ ኣባጊዕ ዓይነት ሓድነት እምበር ዓርሶም ክኢሎም፣ ዘለቕቲ ረብሓኦም ለልዮም ብርትዓዊነት ናይ ዝትሓባበሩ ነፃ ደቂ ሰባት ሕብረት ኣይፈቅድን፡፡እዝይ ፀረ ዋሕስና እዩ፡፡

  1. ሰላማዊ ቃልሲ ሕገ መንግስታዊ መሰል እዩ፡- ልዕሊ ኹሉ ዘተሓሳስበና በሰላማዊ ቃልሲ መንግስቲ ክልወጥ ኣይኽእልን ዝብል ኣተሓሳስባ ዓብላላይ ክይኽውን እዩ። ምኽንያቱ እዝ ኣተሓሳስባ እዚ ዓብላላይ ተኾይኑ ኣብ ሃገርና ሰላምን ምርግጋዕን ኣይህልውን።ኩሉሻዕ ነታ ዝነበረትና እናፍረስና ካብ ባዶ ንምጅማር ንግደድ፡፡እዙይ ድማ ከምቲ ሌኒን ዝበሎ ሓደሻዕ ንቅድሚት ሰጒምና ብኣሻሓት ኪሎ ሜትሮታት ናብ ዝርሓቐ ምዓሙቕ ድኽነትን ድሕረትን ሸው ኢልና ንክንፀደፍ ይገብረና፡፡ስለዝይ፣ሕገ መንግስቲ ሃገርና ብዘቐመጦ መንገዲ ተቓሊስኻ ስልጣን ምድሓዝ ከም ነውሪ ክቁፀር የብሉን፡፡እቲ ገዛኢ ፓርቲ እውን እቲ ሕጋዊ መንገዲ ተኸቲሉ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ መሰሉ እዩ፡፡እቲ ክውገዝ ዘለዎ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ወይ ድማ ናብ ስልጣን ንምድያብ ዝግበር ፋሉልነት ጥራሕ እዩ፡፡
  2. ኢትዮጵያ ሃገርናን ትግራይ ክልልናን ማዕረ ንሕለቐለን፡- ኢትዮጵያዊነት ትግራይ እውን ይሓውስ፤ ብዘይካ እታ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡፡እቶም ንኢትዮጵያ ከም ጃኬት ገይሮም ዝርእይዋ ግን ንትግራይ ዘለዎም ፍቕሪ እውን በዚሑ ተተብሃለ ከም ከናቲራኦም እዮም ዝርእይዋ፡፡ንዓይ ግን ኢትዮጵያዊነት ይኹን ትግራዋይነት ደመይን ስጋይን እዩ፤ከም ክዳነይ ከይኮነስ ከም ኣካለይ እየ ዝርእዮ፡፡ኣብ ሃገርና ዝጎደለ ተሃልዩ ብቓልስና ንመልኦ፤ነቲ ዘሎ ድማ መስዋእቲ ከፊልና ንዕቅቦ፡፡

ገለ ተጋሩ፣ ብፍላይ ድማ ኣየለ ጫሚሶታት ሓቀኛ ኢትዮጵያዊነት የለን፡፡ኢትዮጵያዊነት ዝብሃል ኣምር ነቲ ዝሓለፈ ጎባጢ ልዕልነት ሽዋን ኣምሓራን ንምምላስ ዝጥቀሙሉ ሸርሒ እዩ ክብሉ ይዕዘብ፡፡ስለዝኾነ ድማ ንሕና ዘገድሰና ትግራዋይነት እምበር ኢትዮጵያዊነት ኣይኮንን ዝብል ቅዋም ኣለዎም፡፡ ይኹን እምበር፣ኣብ ትግራይ መፂእኻ እውን ናይ ትግራዋይነት ደረጃ መደብቲ ኮይኖም ኢኻ ትረኽቦም፡፡ስለዝይ፣እቲ ዓላማኦም ፈለማ ብስም ትግራዋይነት(ትግራዋይነት ነቐድም ብዝብል ሽፋን) ኢትዮጵያዊነትኻ ይገፉኻ፤ ብምቕፃል ድማ ከማና ተዘይሓሲብካ፣ ከማና ተዘይሃሊልኻ፣ ንሕና ብዝፈሰስናዮ ተዘይፈሲስካ…ሓቀኛ ትግራዋይ ኣይኾንካን እናበሉ ትግራዋይነትኻ ብኢደ ወነኖም ከም ዝሰረዝዎ ይነግሩኻ፡፡ እዝይ ኣዝዩ ድሑር ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ስለዝኾነ ክስተኻኸል ኣለዎ፡፡

ኢትዮጵያዊነት ይኹን ትግራዋይነት ብስምዒት ውልቀ ሰባት ዝውሰን ኣይኮነን፡፡ኢትዮጵያዊነት ይኹን ትግራዋይነት ብናይ ቀበሌ ካድሬታት ዝከፋፈል ሱኳር ኣይኮንን፡፡ጃኬት ኣይኮነን፤ እንትሞቐካ እተውፅኦ…እንትቆረካ እትድርቦ፡፡ኢትዮጵያዊነት መሪር መስዋእትነት ተኸፊልዎ፤ ደም ወገናትና ፊስሱዎ፤ ሬሳኦም ዝዓረፈሉ፤ ዕትብትና ዝተቐበረሉ፤ መንነትና ዝተሃነፀሉ፤ናይዛ ዓለም ዜጋታት ከም ዝኾንና እነረጋግፀሉ ክቡር መንነትና እዩ፡፡ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ዝበልዎ ክጠቅስ ‹‹ኣስተውዕል ወዲ ኢትዮጵያ፡፡ኢትዮጵያ ማለት፣ ፈለማ ኣደኻ፣ ካልኣይ ክብርኻ፣ሳልሳይ ኣሚንኻ፣ራብዓይ ውላድኻ፣ሓምሻይ መቓብርኻ እያ፡፡ስለዚይ፣ ናይ ኣዶ ፍቕሪ፣ ናይ ዘውዲ ክብሪ፣ ናይ ኣሚን ሕያዋይነት፣ናይ ውልድ ደስታ፣ ናይ መቓበር መፈፀምታ ከምዙይ ምዃኑ ፈሊጥኻ ተልዓል፡፡›› ኢሎም፡፡ኣቦና ኣፀይ ዮሃንስ ስለ ኢትዮጵያዊነት ተዛሪቦም ስቕ ኣይበሉን፤ የግዳስ ብተግባር እውን ክሳዶም ተሰይፎምላ እዮም፡፡ነታ ንሶምን መሰላቶም ዝተሰየፉላ ሃገረይ ኢትዮጵያን ክልለይ ትግራይን እየ ከም የማናይን ፀጋማይን ኣዒንተይ ዝርእየን፡፡

ብርግፅ ኣቦና ሃፀይ ዮሃንስ እቲ ዝግበኦም ክብሪ ኣይረኸቡን፡፡ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባ ነጋን እናሃለው ናይ ኤርትራ ተጋሩን ናይ ኢትዮጵያ ተጋሩን ዝብሃል ወግዒ ኣይነበረን፡፡ሩባ መረብ ከፋፊሉና ኣይፈልጥን፡፡ይትረፍ ንባሕሪ ነጋሽ ክሸጡስ ጁብትን ሶማሊላንድን(ወደብ ዘይላ) እውን ናትና ከም ዝኾና ይኣምኑ ነይሮም፡፡ተጋሩ ሎሚ ዘብን ግን ኢትዮጵያ ንዝበለ ትግራዋይ ኹሉ ብደቂቀ ምንሊክነት ይከስዎ፡፡ትግራዋይ ኣይኾንካን ይብልዎ፡፡ንምንታይ ከምኡ ከም ዝብሉ ግን ግልፂ እዩ፡፡

ሓደ፣ ኢትዮጵያዊነት ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ረሲዖም(ሰሪዞም) ንቃወሞ ኢና ብዝብልዎ ደቂቀ ምንሊክ ስለ ዝተከእዎ እዩ፡፡ኢትዮጵያዊነት ተተባሂሉ ናይ ሽዋ ፖለቲካ እዩ ዝርኣዮም፡፡ንምንታይ? ታሪኽ ሃገርና ካብ ቴድሮስ ይጅምርም ንዐኦም ዘሊሉ ወይ ድማ ሽሞም ኣጥፊኡ ናብ ሃፀይ ምንሊኽ ይሻገር፡፡እቲ ካሊእ ዝገብሮ ምኽንያቱ ግልፂ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ኣየጉህየናን፡፡ ህወሓትን ናይ ህወሓት ሽልካ ኣንጠልጢሎም ዝዘሩ ተጋሩን ኣሰር ሃፀይ ዮሃንስ ሰሪዞም…ክሳዶም ሂቦም ዝዓቀቡዋ ሃገር ብምሉእ ልቦም ዘይምቕባሎም ግን ኣዝዩ የሕዝን፡፡ፈለማ ምንሊክን ጣልያንን ብዝቀየስዎ ፈለግ ፈሲሶም ኤርትራ ንክትግንፀል ምግባሮም፡፡ብምቕፃል ድማ ንትግራይ ብከባቢያዊነት፣ ንሃገርና ድማ ብብሄር ጎዛዝዮም ኢትዮጵያዊ ስምዒት ንክቅህም ብምግባር እቲ ጎዛዚኻ(ኸፋፊልካ) ምግዛእ ዝብል ናይ ባዕዳውያን ኣተሓሳስባ ኣብቲ ወለዶ ንክሰርፅ ምግባሮም ዓብዪ ክሕደት እዩ፡፡  

ስለዝይ፣ ትግራይ ድኻ ስለ ዝኾነት ካብ ፍልፍል ሃፍቲ ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ምእንታን ክንርባሕ ኢትዮጵያውያን ኮይንና ንቐፅል ዝብል ቅዋም ኣይነበረናን፤ የብልናን ንሓዋሩ እውን ኣይህልወናን።እዚ ኣመለኻኽታ እዝይ ናይ ሻዕብያን መሰላቱን እምበር ናትና ናይ ተጋሩ ኣይኮንን፡፡ትግራይ ድኻ ስለዝኾነት ከይኮነስ ኢትዮጵያ ኣደኻ፣ኣሚንኻ፣ውላድኻ፣ ሓፍትኻ፣ ክቡር መንነትኻ፣ መቓብርኻ ስለዝኾነት ኢና ብልዕልነት ሕጊ ዝምራሕ ኢትዮጵያዊነት ይንገስ ንብል ዘለና፡፡ዕርቃኖም ብዝወፅኡ ሸርሒታት ሽዋን ኣምለኽቲ ማለሊትን ማኦን ተቆሪንና ኣይኮንና ኢትዮጵያዊነት እንብል ዘለና፡፡

  1. ‹‹ህወሓት ከመይ ኣላ ከይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣሎ›› ዝብል ሕቶ ድቃስ ይኸልአና፡- ክንደይ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ህወሓት ሓለፍቲ ፌደራል ቤት ዕዮታት ኮይኖም ከይኮነስ ክንደይ ዝኣከል ብቕዓት ዘለዎ መንእሰይ ትግራይ ኣፍርዮም? ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጓዕፃፃይን ጎባጣይን ኣተሓሳስባታትን ኣሰራርሓታትን ብምንጋፍ ናይ ብሓቂ እንኮ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ገይሮሞ ዶ? ንውልቀ ረብሓኦምን ሽሞምን ገደምደም ምባል ከይኮነስ ኣብ ሃገርና ልዕልነት ሕጊ ንክሰፍን ዝገበርዎ ፃዕሪ ከመይ ይመስል? ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ህዝብና ብቃላት ከይኮነስ ብተግባር ንክኽበሩ ገይሮም ዶ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ነቐድም፡፡
  2. ‹‹ዝብኢ ዓደይ ይብለዐኒ›› ዝብል ቅዋም ኢንቕበሎን፡- ዝብኢ ካብ ድላዩ ይምፃእ፣ ድላዩ ቋንቋ ይዛረብ፣ክንዲ ድላዩ ታሪኽ ይሃልዎ ዝብኢ እዩ፡፡እቲ ዝብኢ መን እዩ፣ ካበይ መፂኡ፣ ታይ ዓይነት ቋንቋ ይዛረብ፣ ታይ ዓይነት ባህልን ሃይማኖትን ይኽተል? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ድሕንነትና ዘምፅእዎ ለውጢ የለን፡፡እቲ ቁውም ነገር ዝብኢ ክበልዐና የብሉን እዩ፡፡ሕቶ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት እውን ካብዙይ ዝተፈለየ ኣይኸውንን፡፡ ውልቀ መለኺ ስርዓት ድላዩ ቋንቋ ይዛረብ ውልቀ መላኺ እዩ፡፡ትግርኛ ስለ ዝተዛረበ ንትግራዋይ ካብ ምጉዕፃፅን ምጉባጥን ንድሕሪት ከም ዘይብል ካብ ህልዊ ኩነታት ምስትውዓል ይክኣል፡፡
  3. ምስ ኤርትራውያን ንምትዕራቕ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ምፅላእ ኣየድልየናን፡- ኣብ ጎንደርን መተማህን ዘይተፀበናዮ ዋዲቕ ወዲቕና እዩ፡፡ምዓንጣኻ ዝበልዕ በሰላ ገዲፉልና፡፡ እቲ ክኾን ዘለዎ መንቀሊኡ ፈሊጥኻ ዘላቒ ፍታሕ ምንዳይ ጥራሕ እዩ፡፡ይኹን እምበር፣ ብስንኪ ንቑፅ እቲ ርሑስ እውን ሓቢሩ ንክነድድ ኣይንፈቅድን፡፡እቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ኩነታት ኣይሰላም ኣይኲናት ናብ ደቡብ ገፅ ንክሓለፍ ብምግባር ዝመፅእ ዘላቒ ሰላም ኣይህልውን፡፡ ይትረፍ ኣብ ኣፍንጫና ምስ ዘለው ወገናትና ክንፃላእስ ምስ ግብፂ ይኹን ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዘለና ዝምድናን ምሕዝነትን እውን ክበላሾ ኣይንደልን፡፡
  4. ‹‹ሓባኢያ ቁስሉስ ሓባኢ ፈውሱ›› ኣይንኹን፡- እቲ ፈለማ ክንገብሮ ዘለና ሕበጥ ከይህሉ፣ሓቢጡ ከይፍንድእን ከይንቆስልን ምክልኻል እዩ፡፡ሕበጥ ይኹን ቁስሊ ተተራእዩና ግን ክንሓብኦን ክነነኣእሶን የብልናን፤ ናይ ግድን እቲ ቁስሊ ክፍወስ ኣለዎ፡፡ብኽኢላታት ብደምቢ ተሓፂቡ ብፋሻ ክእሰር ኣለዎ፡፡ተዘይኾይኑ ግን መውዐሊ ሃመማ ምዃኑ ኣይተርፍን፡፡እዝይ ድማ ንውድቐት ይዕድም፤ ኣብ በረኻ ዝወደቐ ሰብ ይኹን እንስሳ ኣሞራን ዝብእን ይሻመዮ፤መፃወቲ ሃመማ ይኸውን፡፡ሽዓኡ፣ንሃመማ፣ዝብእን ኣሞራን ምርጋም ለውጢ ኣይህልዎን፡፡

በዚይ መኽንያት ኢና ተጋሩ ዝተጠቓዕናን ንጥቃዕ ዘለናን፡፡እቲ ኣፈላላያት ብሓዞ ስደዶ ንምፍታህ ዝግበር ፈተነታት ግዜኡ ዝሓለፎን ዘላቒነት ዘይብሉን ስለዝኾነ ብምርድዳእን እሂን ምሂን ብምባልን ተዝፍታሕ ይምርፅ፡፡ ናይ ሓባር ፀገማትና ብምይይጥን እንካ ሃባን ክንፈትሖም ተዘይኽኢልና ኣብ መንጎና ሕበጥ ይፍጠር፣ ቀስ እናበለ ይነትዕ፣ ንቖስል፡፡ ዝቖሰለ ድማ ኩሉ ይሻመዮ፡፡ ድሕሪኡ ብኣዴን እዮም ዝገበሩና፣ሓድነትና ስለ ዝተሸርሸረ ኢና ተደፊርና፣ ግብፂ እያ ገይራትና፣ ኣይ ሻዕብያ እዩ፣ ኣዕራብ እዮም፣እቶም ኣኽረርቲ ድያስፖራ እዮም ወዘተ. እናበልኻ ሕቑንቑን ምባል ዋጋ የብሉን፡፡እዝይ ወ ዳሕንኩም!


[2] ውራይና፡፡ መበል 23 ሕታም ጥሪ 2008 ዓ.ም ፡ ገፅ 3 ክሳብ 7፡፡

[4]Jan 31, 2017::Tigrai Tv:ገምጋም/ተሃድሶ ህዝቢ ከተማ ሰቲት-ሑሞራ፡ https://www.youtube.com/watch?v=gwSMEhL0CL4፡፡

[6] ውራይና፡፡ መበል 23 ሕታም ጥሪ 2008 ዓ.ም፤ገፅ፡4፡፡

[8] Feb 4, 2017፡፡Tigrai Tv: ዘተ ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ ምስ ህዝቢ ነበለት: https://www.youtube.com/watch?v=_9V1wOKp9H0

[10] Ibid

[12] David Smith. 22 October 2014. Ethiopia: 30 years after the famine: https://www.theguardian.com/world/2014/oct/22/-sp-ethiopia-30-years-famine-human-rights

[14] George W. Carey & James McClellan.2001. The Federalist. No.51, p.168-169.

[16] Leon Trotsky. 1903. Our political Tasks. Trostky’s rejoinder to Lenin’s What Is To Be Done and One Step Forwards, Two Steps Back.

[18] Luxemburg.1904.‹‹The Russian Revolution›› p. 391. (Quoted on Ibid p.93).

[20] ውራይና፡፡ሕታም 32፣ ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም፣ ገፅ፡16፡፡

[22] ውራይና፡፡ሕታም 32፣ ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም፣ ገፅ፡5፡፡

[24] ው ራ ይና፡፡መ በል 26 ሕ ታም  ጉንበት 2008 ዓ.ም. ገፅ፡11፡፡

[26]  Bertrand Russel. Free Thought and Official Propaganda. P: 21. This essay, the Conway Memorial Lecture, delivered at South Place Institute on March 24, 1921, was issued in book form in 1922.

[28] Vladimir Tismaneanu.2012. The Devil in History፡Communism, Fascism, and Some Lessons of the Twentieth Century. UNIVERSITY OF CALIFORNIA PRESS, Berkeley, Los Angeles and London.p.26.

[30] Amartya Sen. 1999. Development as Freedom. New York. P፡16.

[31] William Easterly. 2013. The Tyranny of Experts: Economists, Dictators and the Forgotten Rights of the Poor. P፡13.  

 

 

ኣስፋው ገዳሙ

ኢሜል፡This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.