ወዲ ገረብ ፃና(ካሕሳይ ሃይሉ)

ካብ መቐለ

 

ትሃድሶ/ገምጋም ህወሓት ኮስኲሱ ንዘዕበየ ወይ ምስኡ ተኾስኲሱ ንዝዓበየ ሰብ "ሙክት ነይርኻ ወጠጦ" እንትኾኖ እምበርከ እዞም ሰባት ኣብቲ ፅንኩር ኩነት ተዋሳእቲ’ዶ ነይሮም? የብል። ኣብቲ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ብዙሓት ሸተኽ መተኽ ዝስረሖም፣ ኣብቲ ፅዕፁዕ ኲናት ትሓቢኦም ውዒሎም፣ ኲናት እንትዛዘም ማይ ምሕዋርን ምግቢ ምብሳልን ዝቕድሞም ዘየለ፣ ንቶም ሓቀኛ ተቓለስቲ ደቂ ህዝቢ፣ ንቶም ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ ምስ ዕንፀይቲ ብረት ሓቢሮም ክነዱ ዝወዓሉ፣ ማይቀጠነ ብገምጋምን ነቐፈይታን ዓቕሎም የፅብብሎም ምንባሮም ዝፍለጥ እኳ እንተነበረ፣ 99% ታጋዳላይ ግን ስረ ወየንቲ ወለዱ ዓጢቑ ኣዶ ትግራወይቲ ከይትሕረድ ብህንቀተ ልቡ ምስቲ ኣረመኔ ፀላኢ ዝጣራሸም ዝነበረ ምዃኑ ንፃት ውን ኣይንጠራጠርን። ንሱ እዩ ድማ ንዛ መአከቢት ጉሓሉ ዝኾነት ውድብ ዓኽ ኢልና ከይንተፍኣ፣ ዓፅሚ እቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ግራንጣ ኮይኑ ከይወግአና ኣብ ደንበኣ ትውይ ምልስ እንብል ዘለና።

ካብ ሓምሻይ ጉባኤ ኣትሒዝና ንድሓር ክሳብ ቀዳማይ ጉባኤ ናይቲ ውድብ ኣብ ዝነበሩ ጉባኤታትን ዝተኻየዱ ኮንፈረንሳትን እንትንርኢ ኣይኮነን ንቲ

ብኣካል ተረኺቡ ዝተሳተፈን ኣብቲ መዋእል ንዓቕመ ኣዳም ወ ሂዋን ዝበፅሐን፣ ንቲ ሓዱሽ ወለዶ ብያታን ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ብዙሃንን ንዝሰምዕ ወለዶ 'ውን እቲ ዝነበረ ክትዕ፣ እቲ ዝነበረ ናይ ብሓቂ ወያናይ ገምጋም፣ እቲ ዝነበረ ሓቀኛ ተሳትፎ ሓፋሽ ህዝብን ሓፋሽ ተጋዳላይን ከምኡ ድማ ምስ ውሱናት ፀረ ዲሞክራሲ ኣታኣላልያኡ ዝነብረ ዲሞክራስያዊ ክብሃል ዝኽእል መድረኽ ምስ እንሓስብ ክንደያናይ ናይ ቃልሲ መቐረት ምንባሩ፣ እቶም መድረኻት ንባዕሎም ተፈተውትን ተናፈቕትን ምንባሮም  ዘተሓትት ኣይኮነን።

ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝነበሩ ጉባኤታት ዳርጋ ኩሎም ንምባል ብዘድፍር ነታ እግረ ተኽሊ ውድብ ብፍጥነት ዝተፈላለዩ ደረጃ ዕቤት ንክትሓልፍ፣ ካብ ታሕተዋይ ፀፍሒ ናብ ዝበረኸ ንክትውንጣሕ ናይ ባዕሉ ጉሉህ ሚና ኣብ ልዕሊ ምፅዋቱ፣ በቢ ፅፍሑ ዝነበረ ደረጃ ኣመራርሓ'ውን ብሓቂ ተገምጊሙ፣ ዝኽኣለ ክጎይይ ዘይከኣለ ድማ እተናኣለየ ኣብ ጉዕዞ ንቶም ዝተኣለዩ ብሓደሽቲ ኣመራርሓ እናተከአ ናይቲ ውድብ ሓያልነትን ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህሊ ውዳበን ጅግንነትን  እናመስከረ መፂኡ እዩ።

እዛ ሕጂ ትበሃል ዘላ እሞ ድማ ብተደጋጋሚ ተዘሪባ ተዘሪባ ንህዝቢ ዘሰልቸወቶ መሪሕ ገምጋም፣ ስልጣንካ ተጠቒምካ ንውልቀ ረብሓኻ ምውዓል፣ ምጉጅጃል፣ ተጎጃጂልካ ምጥቓቓዕ፣ ብከባብያዊ ፣ ብቤተሰባዊ፣ ብጥቐመኒ ክጠቕመካ፣ ብመውስቦን ውሽምነትን መዳይ ኣብ መበል ሻድሻይ ጉባኤ እታ ውድብ ኣለዉ ተባሂሎም ከምዝተገምገሙ ህዝብና ዝፈልጦ ቅሉዕ ሓቂ እዩ።ብሓፈሻ ጉዳይ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ካብዚ ግዜ ኣትሑዙ እቲ ፈጢጡ ዝወፀ ዛዕባ ነይሩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፣ ኣብ ድሮ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ንባዕሉ፣ እቲ ሓቀኛ ተጋዳላይ ካብ መኽዘናትን ባንክታትን ስርዓት ደርጊ ዝተረኸቡ፣ ብህዝቢ ዝተዘርፉ ናይ ገንዘብ ይኹን ዝተፈላለዩ ዓይነት ናውቲ ቀትሪ ምስ ለይቲ ምስ ሰፊሕ ህዝቢ ብምርድዳእ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክገብር ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን፣ ገለ ሓለፍትን ምስኦም ዝጎዛጎዙ ለኻብጥ ተጋደልትን ግን መጠኑ ብቐሊሉ ዘይግመት ገንዘብ ይኹን ንብረት ሓቢኦም ንግሊ ጥቕሞም ከምዘውዓሉ ፅባሕ ዓወት ቃልሲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ጉንበት 20, 1983ዓ/ም ዝኸፈትወን ዓበይቲ ጋራጃት፣ ሱፐር ማርኬታት፣ ዓበይቲ ትካላት ስራሕቲ ንግዲ፣ ኮታስ ብዓቕሚ ተጋዳላይ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ክስርሑስ ይትረፍ ክሕለሙ ዘይክእሉ ትካላት ንግዲ ምኽፋቶም ናይቲ ካብ መይዳ ኣትሒዙ ኣብ ሒደት ኣባላት ሱር ሰዲዱ ዝፀንሐ ኪራይ ምእካብ ዘረጋግፃልና ምግባረ እከይ ኣተሓሳስባ ምንባሩ ኣሉ ክበሃል ዘይክእል ሓቂ እዩ።

ኮይኑ ግን እዚ ውሽጡ ውሽጡ ካብ ዕጥቂ ቃልሲ ኣትሒዙ ይልሑኽ ዝነብረ ናይ ውሱናት ኣባላት ኪራይ ምእካብ ንቲ መሪሕ ባእታ ውን ሓዊሱ፣ ብቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ (ፖሊትን ማእከላይ ኮሚቴን) ስለዘይተፈልጠ ወይ 'ውን ስለዘይነበረ እዪ ኢልካ ምድምዳም ኣይከኣልን። ኣብ ሓደ ሓደ ፅሑፋት ከም ዝሕብርዎ፣ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ሕጊ እቲ ውድብ እንትጥሓስ ገለ ተጋደልቲ ብህንፃ መሰረት እንትቕተሉ፤ ገለ ምስቲ መሪሕ ባእታ ርክብ ዝነበሮም ወይ ድማ ኣካል እቲ መሪሕ ዝነበሩ ድማ ብመጠንቀቕታ ዝሕለፍሉ እዋን ምንባሩ፣ ሓደ ሓደ መራሕቲ ነበር እቲ ውድብ፣ ኣብ ገለ ፅሑፋቶም ብተደጋጋሚ ኣንቢብና ኢና። እዚ ምስቲ ቁፅሪ ቁንዕን ጀግናን ተጋዳላይ እንትነፃፀር ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ብምንባሩ ግና እቲ በላዒሰብ ዝነብረ ስርዓት ደርጊ ግብኣተ መሬቱ ክገሃድ ገይሩ እዩ።

ብቲ በለ ብቲ እቶም ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነብሩ ከም ጓህሪ ዝረሰኑ ገምጋማት መሰረታዊ ትኹረቶም ኣብቲ ግንባርን ንዕኡ ዝመርሕ ክልሰሓሳብን ጥራይ ብምንባሩ ንዚ ንናይ ሎሚ ዘሎ ሰፊሕ ኪራይ ኣካብነት ኣተሓሳስባ ድኹዒ ኮይኑ ኪራይ ኣካብነትን ኣተሓሳስባኡን ክግውድን ክጥጥዕን ኢሉ'ውን ናብቲ ንፁህን ሓቀኛን ተጋዳላይ፣ ሲቪል ሕ/ሰብን መንእሰይን ተዛሚቲ ስርቂ፣ ፀያፍ ምዃኑ ተሪፉስ ስራሕ ክኸውን ዝገበረ ቀይባዕ ኣተሓሳስባ፣ እቲ ውድብ ዓይኑ ኣንቊሑ ዝገምገመሉ ዕድል ኣይነበረን። እዚ ጉዳይ ክራይ ምእካብን ምልክታቱን ካብ ሻድሻይ ጉባኤ እዩ ኣብቲ መሪሕ ገምጋም ኣቲዩ ኣብ ውድብና ስልጣንካ ተጠቒምካ ንውልቀ ጥቕሚ ምውዓል ኣሎ፣ ንስለ ውልቃዊ ጥቕሚ ብውብልቀ ሰብ ደረጃ ይኹን ብጉጅለ ምጥቕቓዕ ኣሎ፣ ከባብያውነትን ፀቢብ ኣረኣእያን ይግውድ ኣሎ፣ ዞባዊን ቁሸታዊን ኣተሓሳስባ እናዓንበበ ይኸይድ ኣሎ ወዘተ ተባሂሉ ገምጋም ዝተጀመረ።

ብድሕሪ'ዚ ተወሰኽቲ ሽዱሽተ (ብድማር ድማ ዓሰርተ ወ ኽልተ) ጉባኤታትን ዝተፈላለዩ ገምጋማዊ መድረኻትን ተኻይዶም። ሕምብርቲ  ገምጋሞም  ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እኳ እንተኾነ፣ እቶም ነጢሮም ዝወፁ ፀገማት ግና እቶም ኣብ መበል ሻድሻይ ጉባኤ ዝተረቑሑ ውልቃዊ ጥቕሚ ዝዓብለሎም ጉዳይ ስርቅን ስልጣን ብሒትካ ኣብ ክንዲ ንሕ/ሰብ ምግልጋል ንውልቂ ጥቕምኻ ምውዓል ዝብሉ እዮም ብዘሀኪይ ኩነታት ህዝቢ ክሳብ ዝድንፁ ክደጋገሙ ፀኒሖም፣ ሕዚ ውን ከም መልእክተ ዮሃንስ ወግሐ ፀብሐ ዝድገሙ ዘለዉ። ይኹን ደኣንበር ህዝብና ንቲ ዲሞክራሲ ሓዱሽ ብምዃኑን ንታ ዝረኸባ ኣንፃራዊት ሰላም ከጠዓዕም እግረ መንገዱ ድማ ቖቛሕነትን ፍፁም ውልቀ መላኽነትን ወዲ ዜናዊ ከድንቕ እቶም ሽዕኡ ኮሽቶ መንቶ ዝመስሉ ኣመራርሓ፣ እሞ ድማ ዓዲ ብዓዳ ናብ ፅልማሞት ይጎቱ ዝነበሩን ሕጂ ውን ዝያዳ ገቢሎም ኣናእሽቲ ናይ ማፋዩ መንግስታት መስሪቶም እዛ እምባይ መን ይወርሳ እናበሉ ብደምን ኣዕፅምትን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝወራዘዩ ዘለዉ ባሊህ ዝበሎም  ሰብ ኣይነበረን ሕጂ ውን ካብ ቁፅፅር ህዝብን መንግስትን ወፂኦም ንዛ ዓዲ ብፍላይ ድማ ንዛ ክልል ከም ድላዮም ዘሽከርክርዋ ዘለዉ።

ቀፂሉ ሕልፈት ወዲ ዜናዊ እንትስማዕ፣ እቲ ሞት ማራ ዘሕምም እንተነበረ 'ውን፣ ካብቲ ናቱ ሞት ንላዕሊ እቶም ኣንጋሕጢጦም ገንዘብ ህዝብን መንግስትን ይምጥምጡ ዝነበሩ ሕጂ 'ውን ዘለዉ ንቲ ሓዱሽ ወለዶ ካልእ መርድእ ሒዞምሉ ከተፍ በሉ። ንሱ ውን መለስ ኣብ ሓደ ሚኢቲ ዓመት ዘይትካእ መራሒ እዩ ዝብል ነይሩ። ካብዛ ዕለት እዚኣ እያ እምበኣር ህዝቢ ትግራይ ደጀን ዘይብሉ፣ መራሒ ዘይብሉ፣ መኻን ማህፀን ምዃኑ ኣብ ጠላዕ ቀትሪ  ዝተነግሮ። ብናተይ እምነት፣ እቲ ቅድሚ 1993ዓ/ም ተሸቑሪሩ ዝነብር ዝነበረ ከም ፓሮት ዝተዘርቦ ዝደጋግም ካድረ ይኹን ላዕለዋይ ኣመራርሓ፣ እቶም ነውፀኛታት(aggressive) ዝበሃሉ መራሕቲ ከምበዓል ስየ፣ ተወልደ፣ ገብሩ፣ ዋላ ፀኒሑ ይመለስ ኣባይ ፀሃየ'ውን (ምስተመልሰ ናብቲ ናይቀደም ሓይሉ ክምለስ ብዘይ ምኽኣሉ) ካብቲ መስመር ምስ ኣልገሱ፣ ወዲ ዜናዊ ክንዲ ዝኸኣልኩም ስረቑ ናባይ ቆላሕ ምባል ግን ሞትኩም ዝብል ብዘምስል፣ ናይ ታኹላነት ናይ ለውጢ ሃወርያት ገይሩ ምስ ሸሞም፣ "ተመስገን!  ወዲ ዜናዊ ሽሕ ዓመት ንገስ! " እናበሉ ኣብ ክንዲ ምንባብን ምምርማርን፣ ተመራሚርካ ንቕድሚት ዝወስድ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ንቲ ሓዱሽ ወለዶ ካብ ምምሃር፣ ምንጪ ተካኢ ሓይሊ ወለዶ ትግራይ ካብ ስሩ ክደርቕ፣ መፈልፈሊ ልሂቃት ትግራይ ክዕፀዋ፣ ፅሬት ትምህርቲ ክልልና ዕፀ-መሰወሩ ጠፊእዎ ምስ ዓፋርን ሶማልን ክንስራዕ፣ ቅድም ተጀሚረን ዝፀንሓ ንመቐይሮ ኢኮኖሚ ትግራይ ዝተቐየሳ ፕሮጀክት ጎልጎል ራያን ህንፀት ስራሕቲ ግድባት ሳርትን ምስ ኮሌጅ ህፀተ-ዝናብ መቐለ(Arid Zone) ዝነበረን ስጡም ምትስሳር በጢሶም ተስፋ ትግራይ መሊኡ ክፅልምት ተረባሪቦም እዮም። ሕጂ 'ውን ኣብዛ ስዓት ብኣንክሮ እንዕዘቦ ዘለና ነዚ ሓቂ'ዚ እዩ። ምናልባት እቲ  ይምዝገብ ዘሎ ፈጣን ዕቤት(ኢኮኖምያዊ ዕቤት) ብድፍኑ ውፅኢት እቲ ዝተሓንፀፀ ፖሊሲ እዩ ኢሉ ዝምጉት ኣይሰኣንን። እቲ ዕቤት ክንደየናይ ፈጣን እዩ መከራኸሪ ዋላ'ኳ እንተኾነ ዕቤት ምህላው ርኡይ ሓቂ እዩ።

ፖሊሲ ንባዕሉ ቀመራዊ መዐቀኒ ስለዘይብሉ፣ ለውጢ ከምዘምፀአ ዝዕቀን ብኢኮኖምያውን ማሕበራውን ዕቤት እንትኸውን፣ ብፍላይ  እቲ ማሕበራዊ ዕቤት ንባዕሉ ብምህዞን ፈጠራን ዝተዓጀበ ቴክኖሎጂያዊ ዕቤት ከመዝግብ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ ሓደ ፖሊሲ  ብሙልእነት ክግምገም ዝኽእል። ናይ ሓንቲ ሃገር ኢኮኖምያዊ ዕቤት ግን ካብ ሃገራዊ ፖሊሲ ወፃእ ክዓቢ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ውሽጢ ክኣቲ ይግባእ። እዚ ድማ ውልቀ ሃፋትም ብዝገብርዎ ንግዲ ግዳምን ውሽጢ ዓድን፣ ወገናት ተሰዲቶም ብዝልእኽዎ ገንዘብ(Hard currency/remittance)፣ ኣጋጣሚ ብዝርከብ ናይ መዓድን ሃፍቲ ወዘተ ክጥቀስ ይኽእል። ብዚ መንፅር እቲ መራሕትና ዝምክሕሉ ዘለዉ ፈጣን ዕቤት ካብቲ ናይ'ቲ ተደጋጊሙ ዝዝረበሉ ዘሎ እሞ ድማ ካብ ልመና ዘየድሐነና ናይ ልምዓት ሕርሻ ዓውደ-ግዝኣት(Domain) ወፂእና ብዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ኩርናዓት ምርኣዩ ኣድላዪ ይመስለኒ።

 ይመላእ ይፈፀም ዓምዲ እትዮጵያዊነት ካብ ስሩ ምሒዉ  ሃገር ብሃገራ ዘናገዕ ስእነት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዝወለዶ ዓመፅ እንትፍጠርን ህዝቢ ትግራይ ሰሪሑ ክበልዕ ኣብ ዝተሰደደሉ፣ ብሽም ጉሓልቲን ዓመፅትን ደቁ፣ ዘርኡ መሰረት  ተገይሩ እትናሸው፣ እንትበሳበስ፣ ቤቱን ንብረቱን እንትዝረፍ፣ ብሓዊ እንትነድድ፣ እንትቕጥቀጥን እንትቕተልን እኳ፣ እቲ መድሕን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዓንዲ ትግራዋይነት ንክምለስ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፅላል ትግራዋይነት  ንክዓስልን ኣንፃር እቲ ተደቂንዎ ዘሎ ሓደጋ  ፖለቲካዊ ዝንባልኡ ንጎኒ ገዲፉ ብሓደ ልቢ እሂን ምሂን ክብልን እናተገበኦ፣  እቲ ኣብ ስርቅን ዓመጥመጥን ዘሎ ባእታ ሰገጥ ክብልን ምስቲ ሓዱሽ ወለዶ ተናቢቡ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ኣብ ክንድኡ እቲ ሓዱሽ ወለዶ 800 ዓመታት ንድሕሪት ተጓዒዙ ባሕሪ ታሪክ ብምሕማስ፣ ንቲ ሓቀኛ ታሪኽ እናዝቘቘ ብምውፃእ እቶም ኣብ ታሪካዊ ግርጭት ተሸኺሎም ዝነብሩ ትምክሕተኛታት ፀላእቲ ታሪክን ስልጣነን ህዝቢ ትግራይ፣ ልክዖም ክፈልጡን፣ እቲ ታሪክ ድማ ብመሰረቱ ትክክለኛ ኩርናዑ ክሕዝ ዓብዪ ቃልሲ ኣካይዱ ንህዝቢ ትግራይስ ይትረፍ ንቲ ውድብ ንባዕሉ 'ውን ዋሕስ ኮይንዎ እዩ ምባል ይከኣል።

ብኣንፃሩ እቲ ናይ ዓመጥመጥ ጉጅለ፣ ኣብታ እዋን ፀበባ ውን ንቲ ቀዲሙ ዝሓዘሎ ናይ ስርቅን ከባብያዊነትን "ኣውልያ" ከፈልፍል እቲ ምጉጅጃል ካብ ወረዳ ክሳብ ፌደራል፣ ቀፂልሉ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ብግሃድ ህዝቢ ክሳብ ዝፈልጦ ከሸራሽሮ ተራእዩ እዩ። ብዓዲ ይኹን ብበረኻ ዘሎ ህዝብና ብፖለቲካ ፈላልዩ ብጀካ፡ መንገዲ ህወሓት ካልእ መንገዲ ብምዕፃው ተወሳኺ ፈላላዪ ኣጀንዳ'ውን እናካየደ ፀኒሑ እዩ። እምበኣር እዚ መሪሕ ባእታ እዩ "ዓሚቝ" ተሃድሶ ኣብ ምክያድ እየ ዘለኹ ክብለና ዝኸረመ ሕጂ'ን ዝብለና ዘሎ። ብዚ መሰረት ህዝቢ 'ውን ዝሰልቸዎ ዛዕባ እኳ እንተኾ እዛ ሎሚ ከም ዓሚ ኣይኮንትን'ሞ ኣይጭክኑን ዝኾኑ፣ ሎምስ ሓቀኛ መራሒ ደኣ ክመፀና ይኸውን ክብል ብተስፋ ክፅበይ ምፅናሑን ምህላውን ንኩሉና ዝተሓብአ ኣይኮነን።

 

 

ስቱር ንዕቐት!!!

ሎሚ ብዓይነቱን ብትሕዝትኡን ፍልይ ዝበለ፣ እሞ ድማ ላዕለዎት መራሕትን ላዕለዎት ካድረታትን በቢ ደረጃኡ እናሳተፈ ዝርከብ "ዓሚቝ" ዝተብሃለ ገምጋም እናተኻየደ ይርከብ። እቲ ንሽሙ ዓሚቝ ዝተብሃለ ገምጋም፣ ብምንታይን ክንደያናይን ከምዝዓመቘ መለከዒ የብሉን። ድሕሪ ምዝዛም እቲ ገምጋም፣ እቲ ውድብ ዘውፅኦ መግለፂ 'ውን ቴማ ናይቲ ገምጋም እንታይ ምንባሩ ዝሕብር ገለ ጠቋሚ ጨረር የብሉን። ዓሚቝ ትሃድሶ ንከካይድ ቆሪፁ ዝተልዓለ ውድብ ኣብ ምንታይ ዓውዲታት ክሕደስ ከምዝደለየን፣ ኣየናይ በሊሕ ጫፋዊ ገምጋም ክወቅዕ ከምዝሓሰበን ንፁር ስትራቴጂ ኣየቕመጠን። ንኣብነት ናይቲ ትሃድሶ ማእኸል ሰናይ ምምሕዳር እንተኾይኑ (ሰናይ ምምሕዳር  ብሕፅረት ዓቕምን ዝርጉፍ ኣወሃህባ ስርዓትን ክመፅእ ስለዝኽእል) ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዓቕሚ ምዕባይ ዝወሃብ ስልጠናን ኣብ ቀፂሉ ክዝርጋሕ ዝኽእል ኣወሃህባን ምስፋንን  ስርዓት ሰናይ ምምሕዳር፣ ኣመልኪቱ ንቶም ዝነበሩ ጎደሎታት ለኪሙ እናወቐዐ ገምጋሙ ከካይድ ነይርዎ። እግረ-መንገዱ 'ውን ንቲ ጎደሎ ብቐጥታ ትሓተትቲ ዝኾኑ ኣካላት ፖለቲካዊን ምምሕዳራውን ስጉምቲ ብግልፂ፣ ብዘየማትእን በዘይንሕስያን ክወስድ ይግባእ።

ብኻልእ ወገን ድማ ምስቲ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ ስልጣንካ ንውልቃዊ ጥቕሚ ምውዓል፣ ስርቅን ኪራይ ኣካቢነት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ንምግምጋምን ንምቅላስን እንተኾይኑ፣ መን እንታይ ሰሪሑ ብከመይ ይገምገምን ድሕሪ ገምጋም ድማ ብከመይ ይፃረይን ትሓታቲ ይኹንን? ብፍላይ ሕጋዊነት ተላቢሶም ዝተሰርሑ ዓበይቲ ናይ ገንዘብ ይኹን ናይ መሬት ናይ  ዘረፋ ስራሕቲ መቀላለሲ ኣንፈት ወፂእዎም፣ ምልኣተ ህዝቡ ብዘሳተፈ መልክዑ ግልፂ መገማገሚ ስርዓት ተቐሚጥሉ ክክወን ነይርዎ። እዚ ክትገብር ድማ ኣብቲ መሪሕ ኣካል ቆራፅነት ሃልዩ ፈለማ እቲ 44/45 ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ነኒ ባዕሉ ሓደ ብሓደ ርእዩን ዝበፅሖ መደምደምታ ድማ ከምዘሎ ነቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓን ሓፋሽ ካድረን ከቕርብን መሊሱ ብዓይኒ'ቲ ካድረን ኣመራርሓን ክግምገም እንተኽኢሉ እዩ።

እዚ ክገብር ዘይከኣለ ኣመራርሓ፣ ኣባልን ሓፋሽ ህዝብን መሪሑ በሊሕ ገምጋም ብምክያድ ፣ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ወይ መቐይሮ(paradigm shift) ከምፅእ እዩ ኢልካ ምትስፋው ካብ የዋህነት ሓሊፉ ዕሽነት እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ ኣብቲ ዝተኻየደ በቢ ደርጅኡ ዘሎ ገምጋም ብዛዕባ'ቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ትሒም ኢሉ ዝተዛረቦ ነገር የለን። ምናልባት ካብ ሓደ ሓደ ግዱሳትን ግን ድማ ፀላዊ ዓቕሚ ዘይሃነፁ ማእኸለዎት ኣመራርሓ ጉዳይ ሕድሕዳዊ ገምጋም ማእኸላይ ኮሚቴ ከመይ ከምዝነበረ ወጢሮም 'ኳ እንተሓተቱ እቲ ዝተውሃበ መብርሂ መሕዘንን እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብምሒር ንዕቐት ተወጢሩ ናብ ፍፁም ኣምባገነናዊነት ተቐይሩ ምዃኑ ዝተከሸሐሉ መድረኽ ምንባሩ ኢና ተዓዚብና።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ስብሓት ነጋን ኣምባሳደር ስዩም መስፍንን ኣብ ዝሃብዎ ብዛዕባ ስርቅን ዘረፋን ክልልና ዝምልከት ቃለ መሕትት፣ ኣብ ትግራይ ኮራፕሽን የለን፤ ብጀካ ውሱን ጠልቆምቆም እዚ እዩ ዝበሃል ብግራንድ ኮራፕሽን ዝጥቀስ ተርእዮ ግዕዝና የለን ይብሉና። እዚ ማለት ካብ 80ሚሊዮንን ልዕሊኡን በጀት ሓደ ወረዳ እቲ 5-10 ሚልዮን ብር ሓለፍቲ እቲ ወረዳ ብዝተፈላለየ ምኽንያት መዝቢሮም እንተባኺነሞ ወይ ድማ ገዛ ወይ ገልባጢት መኪና እንተገዚኦምሉ ጠልቆምቆም እዩ ይብሉና ምህላዎም ኣይንዘንግዕ። ኣነ ብዘለኒ ተመኩሮ፣ ብብር 6 ሚልዮን 100 ሄክታርን ልዕሊኡን ከልምዕ ዝኽእል ፅጋበኛ ሩባ ምእላይ(River Diversion) ከም ዘስርሕን እዚ ድማ ብማእኸላይ ን400 መራሕቲ ስድራ በቀጥታ ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ከምዘለዎ ክስመረሉ ከምዘለዎን ኣብ'ቲ ትሕቲ 400 መራሒ ስድራ ዘሎ ስራሕ ደላዪ ቤተሰብ ውን ክንደያናይ ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝፈጥር ማይን ጨውን ሓዊሱ ዝበልዕ ሰብ ብቐሊሉ ዝፈርዶ ጉዳይ እዩ።

ስልሒት በጀት ሃገርና ገና ካብ ቢልዮን ዘይወፀ እንክንሱ ንግራንድ ኮራፕሽን ተባሂሉ ብሌዮናት ክምዝበር እንተተደልዩ እቲ ወግዒ ክንቕይሮ ኣለና። ግራንድ ድዩ ኣይኮነን መዐቀኒና ዝኸውን ግን ብምኢታዊት ክንደይ ዝኣክል ይዝረፍ ኣሎ ዝብል እዩ እቲ ወድዓዊ ሓቂ። ንዓይ ከምዝርደአኒ ሓደ ጣብያ ኣማሓዳሪ ፣ ወርሓዊ መሃያ ኣብዘይብሉ ንድኹማትን ዓዲ ውዒልን ዝመፀ ሓገዝ እኽሊ ይኹን ክክዕ ወ ዘይቲ ዓምጢጡ 4 እግራ መኪና ዝገዝእ እነደኣኮይኑ ካብዚ ንላዕሊ ግራንድ ሙስና ኣሎ ንምባል የፀግመለይ እዩ። በቢ ፀፍሑ ዘሎ ናይ ኣመራርሓ ኣካል ድማ እታ ዝረኽባ በጀት ብዘይንሕስያ እናዓፀደ ዝወስዳ ምዃኑ እቲ ከብዲ ቀላይ ሓፋሽ ህዝቢ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ሓደ ጣብያ ኣማሓዳሪ ከምዝበልዎ "ኣነ ብጋሪ ይወስድ ንስኹም ድማ ብISUZU መኪና ትምዝብሩ" ዝብል ኣበሃህላ፣ ብደረጃ ጣብያ ብጋሪ፣ ብደረጃ ወረዳ ድማ ብISUZU እንተኾይኑ ብደረጃ ክልል ብገልባጢት መኪና(Dump Truck) ብደረጃ ፌደራል ውን ብመርከብን ብተስሓብትን ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ውን እቲ ፀፍሒ መነባብሮ ሰረቕቲ ብሽሞሞን ብሽም ስድረኦምን ፈተውቶምን ዘስረሕዎም ዓበይቲ ህንፃታት፣ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ይኹን ኣብ ናይ ወፃኢ ባንክታት ዝጠፍጠፍዎ ናይ ቅርሺ ኩምሪ ምስክር እዩ። ንዚ ድማ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ስራሕቲ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኣሎ'ሞ ብሓራምዝ ከይድርፀፅ ሰጊኡ ክገድፎ እንተዘይኮይኑ እቲ ሓቂ ካብ ምዕዛቡ ኣይተረፈን ብስሩዕን ዘይስሩዕን ድማ እቲ ሓበሬታ ናብ ሚድያ እናመፀ ይርከብ። እዚ ብደፈና እቲ ውድብ ይኹን መንግስቲ ዝኣምነሉ ዘሎ ሓቂ እኳ እንተኾነ፣ መን እንታይ ወሲዱ ኣብ ምግምጋምን ቆራፅ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድን ግን ብተደጋጋሚ ሓሙቱ እንትፈስስ ርኢና ኢና።

ብምዃኑ ቁርፀኛ መሪሕ ኣካል ንቆራፅ ገምገም ድልዊ እንተደኣ ኮይኑ፣ እቲ ናይቲ ትፅቢት እንገብረሉ ገምጋም ኣብ ሓደን ሓደን ዓንዲ ጥራይ ዝተሸኽለ እዩ ክኸውን። እዚ ድማ ሃፍቲ ሰበ ስልጣናትን ዘመድ ኣዝማዶምን ከምኡ ድማ ኩሉ ስቪል ሰርቫንት ግዜ ወሲድካ ብምምዝጋብ ዓሚቝን ሰፊሕን ናይ ምምርማርን ምፅፋፍን ስራሕቲ ምክያድ እዩ እቲ እንኮ መማረፂ። እዚ ንገዛእ ርእሱ እቲ ገምጋም በሊሕን ቆራፅን ከምኡ ውን ቅንዕና ዘለዎ መንገዲ እንተተኸቲሉ፣ እቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ሰበስልጣናት ንፖለቲካዊ ዕጥራንን ብዕልግናን  ዝዳርጉ ዘለዉ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ውን እንተበዚሑ ትሓተትቲ ይኾኑ እንተንኢሱ ውን ኣደብ ክገዝኡ ይሕግዝ እዩ።

ኣድላይነት ምዝገባ ሃፍቲ ሰበ ስልጣናትን ዘመድ ኣዝማድን  ንኩሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ ሓዊሱ

ቅድሚ ናብ ኣድላይነት ምዝገባ ሃፍቲ ላዕለዎት ሓለፍቲን ጃንዳኦም ምእታወይ፣ ግዕዝይና ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና እንታይ መሰረታዊ ሳዕቤናት ኣምፂኡ ዝብል ዝተወሰነ ክብል። እቲ ኩነታት ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ቅጥዒ ኣልቦ ዘረፋን ብበለካ ለኽዐካ ተላዕቚጡ:-

  1. ኣብ መላእ ሕ/ሰብ ከቢድ ዘይምትእምማንን ሓድነት ተግሩ ብኣፍቅሮ ንዋይ ተሰሊቡ እዛ ሃገር ዋላ ድዋዕ ትበል ዝብል ወለዶ ተፈጢሩ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝቖሰለ፣ ኣካሉ ዝጎደለ፣ ዝተሰወአ ወዘተ ኣብዛ እዋን ሓሳረ መከርኡ እንትርእይ ግዜ ዝሃቦ ስልጣኑ ተጠቒሙ ምስ ዓሌቱ ናብ ገነት ዝቐረበ ናብራ እንትነብር እናርኣየ ብናይ ሎምስ ይትረፍ ብቲ ሕሉፍ መስዋእቲ ዝናደድ፣ ፍረ መስዋእቱ ትርጉም ኣልባ ኮይኑ ዝረኣዮ  ኣካል  ቁፅሩ ውሑድ ኣይኮነን። ናይዚ ቐንዲ መግለፂ ኣብ ምክልኻል ሓይሊ ሃገርና ዘሎ ብፅሒት ተጋሩ እንተበዝሐ ኣብ ሬጅሜን 5 ሰብ ጥራይ፣ እንተ ንኢሱ'ውን ሓደ ወይ ባዶ ዝኾነሉ፣ ብሄራዊ ተዋፅኦና ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ዝገበረ እዙይን እዙይን ጥራይ ምዃኑ ልቢ ክንብል ይግባእ። ከም ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ተዋፅኦና ሚዛኑ ሓልዩ እንተዘይከይዱ ድማ እቲ ውጥም ቅልቅል ዝብል ዘሎ ጎመድ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ እንግድዓና ምዃኑ ክነስተውዕል ይግባእ።
  2. ትግራዋይ ኣብ መዓልቲ 16 ስዓትን ልዕሊኡን ብምስራሕ ዝፍለጥ  ህርኩት ህዝቢ፣ ብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣቋራጭ ምኽባር ተስፋ ቆሪፁ ውሱን ክፋል ሕ/ሰብ ገፁ ናብ ስርቅን ዘረፋን ኣምሪሑ ምህላው፣  ካብ ህርኩትነት ናብ ኣሳፊሕካ ኣብ ሓሽሽን እንዳ ጫትን ከምኡ ድማ ኣብ ሓሜትን ኣንፀርፅሮትን ይውዕል ምህላዉ፣ ካብኡ ሓሊፉ ውን፣ ብትግራዋይ እምነት፣ባህልን መንነትን መነወሪ ዝኾነ ኣብ ስርቂ ንዋየ ቅድሳን (ታቦት፣ ፃሕል፣ ዕርፈ መስቀል፣ ፅዋዕ፣ ስንክሳራትን ዕድመ ፀገብ መፃሕፍትን) ተፀሚዱ ይርከብ። ብዚ ምኽንያት ብፍጥነት እናተዓፀዋ(እናዓነዋ) ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያናት በቢ ዝተወለድናሉ ደብረ ቤተ ክርስትያን ከይድኻ ምዕዛቡ እኹል ይመስለኒ። እዚ ክገብር ከሎ ድማ ዓምዲ መንነቱ የፍርስ ምህላው ንፃት ውን የስተውዕል የለን። ዓምዲ መንነቱ ዘፍረሰ ሕ/ሰብ ተስፋ ዝበሃል የብሉን። ተስፋ ዘይብሉ ማሕበረሰብ ድማ፣ ሃገራዊ ፍቕሪ፣ ወነን ኒሕን ዝበሃል የብሉን። ዓዲ ከይትፈርስ ተቓለስ ኣብ ዝብሃለሉ ግዘ  ድዋዕ ትበል ዝብል ወለዶ እዩ ዝፍጠር።
  3. መወዳእትኡ፣ ዝተቐየመ ይኹን ተስፋ ዝቖረፀ ወለዶ ዓረመኔነት የጥቅዖ። ድርኩኺት ሰይሩ ይዘርፍ፣ ዘሪፉ ይበልዕ፣ ብኩሉ መዳይ ካብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ወፂኡ ንወዲ ሰብ ከም እንስሳ ሓሪዱ ኣካላት ወዲ ሰብ ይነግድ ኣብ መወዳእታ ውን ስጋ ሰብ ዝበልዓሉ ሰፊሕ በሪ ይኸፍት።
  4. እዞም ልዕል ኢለ ክገልፆም ዝፈተንኩ ውፅኢት ዘይምዕሩይ ተጠቃምነት ምዃኖም ነስምር። ምዕሩይ ተጠቃምነት ኣብ ዘይብሉ ስርዓት፣ "ዘይሰርሐ ኣይብላዕ" ዝብል መፅሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ተቐይሩ ሓደ ወገን ንሽራፍ እንጀራ 12 ስዓት እንትለፍዕ፣ ብኣንፃሩ ኣብ እንዳ መስተ ተጎሊቱ ውዒሉ ምልዮናት ናብ ኪሱ ይውሕዘሉ። ብሓፈሻ ፅዒርካ ግዒርካ ናይ ምልዋጥ ድሌት ሓንሳብን ንሓዋሩን ይዕፆ። ውፅኢት ናይዚ ውን እቲ ታኹላ እንካ ታኹላ እንድዩ እቲ በጊዕ ግን ብፍጥነት ናብ ታኹላነት ይቕየር፣ ታኹላ ንታኹላ ዕንወት ሃገር የቀላጥፋ።

ስለዚ እዚ ውድብ ካብ ልቡ ክሕደስ እንተደኣ ደልዩ ዓምዲ ገምጋሙ ኣብ ሃፍቲ ምዝገባ ይሸኸል ንዝብል ንምንታይ እዩ ሃፍቲ ምዝገባ ኣድልዩ ናብ ዝብል ክሓልፍ። ብመሰረቱ ቀዳማይ ሚኒስቲር ነበር መለስ ዜናዊ ብሂወት እናሃለወ ዝተጀመረ ዓብዪ ዛዕባ እዩ ነይሩ። ኣድላይነቱ ትኣሚንሉስ ሃፍትን ትሕዝቶ ሰበስልጣናትን ስቪል ሰርቫንትን ተመዝጊቡ ብዝርዝር ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ንህዝቢ ዕላዊ ክገብር ዝብል ቆራፅ ውሳነ እዩ ተበፂሑ ነይሩ። ድንገት መለስ ብሂወት ምስተፈለየ፣ እቲ ዝተመዝገበ ሃፍቲ 'ውን ምስቲ ናይቶም ሓለፍቲ ደረጃን መጠን እቶትን ዘይመጣጠን ምስኮነ፣ እታ መለስ ጥራይ ከም ድሌቱ ዝዝውራ ዝነበረት በትረ ስልጣን ስለ ዘየላ መን ንመን ከገድዶ ንሰንሳትካ ሕልምልም ኮነ። ቀ/ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ምክትል ቀ/ሚኒስትር እናሃለዉ ትሓቲቶም "የባለ ስልጣኖች ሃብት ምዝገባ በስድስት ወር ውስጥ ምዝገባ ተካሂዶ ለህዝብ ይፋ ይሆናል። ኢህአዲግም ጨካኝ መንግስት ነው ያደርገዋል።" ኢሎም ኣብሲሮምና እኳ እንተነበሩ ወንበር ቀ/ሚኒስትር ምስ ዓተሩ "ሕሩጭ ምጉያ" ከም ዝቑሓሙ ንፃት ‘ውን ስለ ሃፍቲ ምዝገባ ብሒም ከይበሉ ተሪፎም።

ኣብዚ ብግምት ክቕመጡ ዝኽእሉ ውሱናት ነጥብታት ኣለው። ፈለማ መብዛሕቲኦም ሰበ ስልጣናት ኣብቲ ስርቂ ተሳተፍቲ ክኾኑ ስለዝኽእሉ፣ ንኹሉ ምሓዝ ዓዲ ከየነቓንቕ ተፈሪሑ ክኸውን ይኽእል። ብኻልእ መዳዩ ድማ እቶም ኣብ ምዝበራ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ዝተዋፈሩ ኣብ ወሳናይ ናይ ስልጣን ፀፍሒ ይኾኑ'ሞ እቲ ዝሓዝዎ ስልጣንን ዘኻዕበትዎ ሃፍትን ዝያዳ ጭዋዳዎም ሓኪሉ ብቐሊሉ ንምድፋር ፈታኒ ኮይኑ ይኸውን። ብሳልሳይ ነጥቢ ከምቲ ኣብ 2008ዓ/ም ዝተረኣየ፣ እታ ሓቀኛ ገምጋም እንተመፂኣ፣ እቶም ሌያቡ መራሕቲ ገበኖም ንምሽፋን ክብሉ ኣብ በቢ ክልሎም ዘሎ መንእሰይ ብምልዕዓል ሃገር ናብ ዕግርግር(Chaos) ከይመልስዋ ተፈሪሑ ክኸውን ይኽእል። ብዚ መሰረት ምዝገባ ውን ተቛሪፁ ከይተመለአ ተሪፉ ህዝቢ ድማ ትዓዚቡ ቀርዩ ንምባል እዩ እቲ ግምት። ግን ድማ ንፍቶ ንፅላእ ግልፅነትን ትሓታትነትን ዘለዎ ስርዓት ክንሃንፅ እንተደኣ ደሊና፣ ዋላ ዕረ ዕረ እናጠዓመት እዛ መስርሕ እዚኣ ብጥንቃቐን ቆራፅነትን ከነካይዳ ከምዝግበኣና ዘከራኽር ኣይመስለንን። ምኽንያቱ:-

  1.  መንግስቲ እዚእ እንተደኣደፊሩ እንተኣትይዋ፣ ልዕሊ ኹሉ መንግስቲ ክንደያናይ ቆሪፁ ከም እተልዓለን ጠበቓ ህዝቡ ምዃኑ ስለዘረጋግፅን፣ እቲ ሰፊሕ ህዝቢ ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ንክስለፍን ኣካል እቲ መሰረታዊ ቃልሲ ፀረ ስርቅን ኪራይ ኣካብንነትን ክኸውን ዘይትካእ ጥቕሚ ስለዘለዎ እዩ።
  2. ቀፂሉ ድማ ብሓፈሻ ክንደይ ዝኣክል ሃፍቲ ኣብቶም ሰበ ስልጣናት ከምዘሎ ንህዝቢ ንፁር ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ምሃቡ፣ ናይ ባዕሉ ዝበልዕን  በላዒ እንዳማቱን ብቐሊሊ ምፍላይ ስለዝከኣል እንተንኢሱ እቲ ሌባ ምስ ስድርኡ ክሽቑረርን ካብ ኢዱ ምንዋሕ ተቖጢቡ ኢዱን እግሩን ክእክብ ይሕግዝ።
  3. ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ንዝህነፅ ግልፅነትን ትሓታትነትን ዝሰፈኖ ስርዓት ግብኣት ዝኸውን ሕጋዊ ሃፍቲ ምዝገባን ትክክለኛ እቶት ዜጋታት ምፍላጥ ይዕንብብ። ብዚ ኣቢሉ ድማ ፅፉፍን እዋናውን  ምኽፋል ስርዓተ ግብሪ ንክዓቢ ይገብር።
  4. እቶም ካብ ጉቡኦም ንላዕሊ ሃፍቲ ጓሕጒሖም ዝኸበሩ ካበይ ከምዘምፀእዎ ክትሓትት ይሕግዝ፤ ዘይናቶም ምዃኑ እንተተረጋጊፁ ውን ብቐጥታ ብሕጊ ዝሕተትሉ ዕድል ይፍጠር። ብገበን እንተዘይተተሓዙ'ኳ ናይ እቶት ግብሪ(income tax) ከፊሎምዶ ኣይከፈሉን በሪ ዝኸፍት መንገዲ እዩ። ካብቲ ዘኻዕበትዎ ሚልዮናት ብምኢታዊ ኣታዊ እንተገይሮም ውን ውሱን ዘይበሃል ገንዘብ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ዝኣትወሉ ዕድል ከምዝፈጥር ጥርጥር የብሉን።
  5. እዚ ክትገብር እንተለኻ እቶም ንመዋእሎም ኣብ ስልጣን ዝበስበሱ፣ እንተዘይሞትካ ካብ ስልጣን ዝልቀቕ ዘይመስሎም ቆራዲድ ብወሳናይ መልክዑ ንፋስ ክወቕዖም'ሞ ንሶም ኣልጊስካ ነቲ ብዓል ቤት ሓዱሽ ወለዶ ንታ ናቱ ግዘ ብቋንቁኡ ከመሓድራን ናብ ናይ ሓላፍነት መሰላል ክሓኩር ይሕግዝ።
  6. ንቀፃሊ ንዝህነፅ ንህዳሴና ዝምጥን ፍትሒ፣ዲሞክራስን ልምዓትን ዝሰፈኖ ስርዓት' ውን መሰረት ኣንፂፉ ዝሓልፍ መንገዲ እዩ።
  7. ብሓፈሻ ባህሊ ቅንዕና፣ ግልፅነትን ትሓታትነትን ኣብቲ ሓዱሽን ስዓቢን ወለዶ ክብሪ ኮይኑ ክሰርፅን ሙስና ዝፅየፍ ወለዶ ንክፍጠር ናይ ባዕሉ ታራ ስለዘለዎ እዩ።

ብምጥቕላል ንዚ ካብ ልሙድ ቀልዲ ናብ ፍፁም ትዕቢትን ንዕቐትን ተቐይሩ ዘሎ ብኔትዎርክ ዝተተነጎ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኢሉውን ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ዘሎ ናቱ ርጋፅ(ኣሰር)፣ መሊኡ እንተዘይተወቒዑ፣ ህዝቢ ወግሐ ፀብሐ ዝህቦ ሓበሬታታት ሰሚዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ንስሃ እንተዘይኣትዩ፣ እቶም በቢ ደረጃኡ ኣባል ዝለፍዐሎም ዘሎ ኣኼባታት ማይ እንተሓቖንካዮ ማይ እዩ ክኸውን። ሎሚ ብወሳናይ መልክዑ ጨና ለውጢ እንተዘይመፂኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብዛ ውድብ ጠቕሊሉ ተስፋ ዝስእነሉ ዕድል ክፍጠር ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ማለት ህዝብን ውድብን ኣብ ሓፂር እዋን ፍትሕ ምፍፃሞም ኣይተርፍን ማለት እዩ። መማረፂ ውድብ ኣብ ዘይትፈጠረላ ክልል ከምዚ ዓይነት ሓደገኛ ፍትሕ ንትግራይ ይኹን ንመላእ ኢትዮጵያ ጎዳኢ ውፅኢት ከምዝወልድ ጥርጥር የብሉን። እቲ በቢ ወረድኡ ውጥም  ቅልቅል ዝብል ዘሎ ሕቶ  ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እናገበለ ከይዱ ንኩሉ ናብ ዘይጥዕመሉ ደረጃ ክበፅሕ እዩ። ኣብዚ ከም ኣብነት ሕቶ ህዝቢ ሰብዓ-እምባስነይቲ ዝፅራሕ ኮይኑ ኣብ ገለ ወረዳታት ውን ምስ ወረዳ ኣመሓደርተን ምልታም ዝጀመራ ከምዘለዋ ብፍፁም ክዝንጋዕ የብሉን። ንዚ ከኣ እቲ ካብ ሕድሕድ ገዛ ገባራይ ተወሊዱ፣ ወላዲ ተለቂሑ ተመርቂሒ ኣምሂሩስ ስራሕ ከይሓዘ ከርተት ዝብል ዘሎ ኣብ በቢ ስድራኡ ከይዱ እቶም ዘለዉ ዓይኖም ዘፍጠጡ ናይ ግዕዝይና ስራሕቲ እናመዝመዘ ንቤተሰቡ ብምስራፅ ህዝብን መንግስትን ንክፈላለ ልዑል እጃም ይፃወት ምህላዉ ክንርዳእ ኣለና።

እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝሳተፍ ዘሎ መንእሰይን ዘልዕሎም ዘሎ ዛዕባታትን ክሳብ 'ታ ዝረሓቐት ገፀር ተበፃሕቲ ምዃኖም ክንፈልጥ ይግባእ። እዚ ውን ሓደ ሰብ  ዝፅሕፎ ካብ ጣብያን ወረዳን ሓሊፉ ክልል ብምልእታ ከምኡ ድማ ዓለም ብዓለማ ከምዘፃሕ ክስቆረና ኣለዎ። ከይዱ ከይዱ ሓድነትና ኣብ ሕቶ ምስ ኣተወ ድማ እተን ዝወጣወጣ ዘለዋ ኣብርቲ ደፊአን ምምፀአን ዘይተርፍ እዩ። ብምዃኑ ውን ሓድነትና ክድልድል፣ መፃኢና ብሓድነትናን ዕቤትናን ውሑስ ክኽውን እንተኾይኑ ኣብ ክልልና ግልፅጽነትን ትሓታትነትን ምስ ሰናይ ምምሕዳር ብሓደ ወገን፤ ልምዓትን ምዕሩይ ተጠቃምነትን ድማ ብቲ ካልእ ወገን ክሰፍን ይግባእ።

ወዲ ገረብ ፃና(ካሕሳይ ሃይሉ)

ካብ መቐለ