ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ? እንታይ ክገብር ይግበኦ?


መእትዊ
ቅድሚ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ኢህወደግ ንናይ ደረጊ መንግስቲ ብውግእ ብምስዓር ፖለቲካዊ ስልጣን ድሕሪ ምቁፅፃሩ ሰለይ እናብሉ እናዓበዩ ዝመፁ ፖለቲካዊ ፀገማት ብግልፂ ጎሊሆም ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ገዛኢ ውድብን ንሱ ዝመረሖ መንግስትን ምህላው እዞም ፀገማት ኣሚኑ ንምፍተሖም እናተንቀሳቀሰ፤ ምዝራብ ካብ ዝጅምር ፀኒሑ ኣሎ፡፡ እዚ ኩነታት ንዝኾነ ናይ ዓዱ ደሕንነትን ሰላምን ከምኡ እውን ቀፃልነት ዘለዎ ስነ-ቁጠባዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ምዕባለን ንዝምነ ፈታዊ ሃገር ዝኾነ ዜጋ ከተሓሳስቦ ግድን እዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝተፈላለዩ ሪኢቶታት ይቐርቡ ኣለዉ፡፡


ድሕሪ ምፍፃም ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኩነታት ብዝፈቕዶ መሰረት ብህዝቢ ተሳትፎ ሕገ-መንግስቲ ኣፅዲቕና በዚ ሕገ-መንግስቲ እናተመራሕና ጉዕዞ ካብ እንጅምር ካብ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ኣቑፂርና፡፡ በዞም ዝሓለፍናዮም ዓማውቲ ብዙሓት ዘመዝገብናዮም ዓወታት ከም ዘለዉ ኮይኖም፤ ክንሰርሖም ዝግብኡ ብዙሓት ዋኒናት እውን ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ፅሑፍ ብቐንዱ ክስርሑ ዝግበኦም ብፍላይ ድማ ኩነታት ፖለቲካ ሃገርና፤ዝተረጋገዐ ዕብየት ስነ-ቁጠባን ማሕበራዊ ምዕባለን ምቹው ክኸውን ንምግባር፤ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሰላማውን ዲሞክራስያውን መንገዲ ንዝሰዓረ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክተሓላለፍ ንምግባር፤ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝረአ ዘሎ ህውከትን ዘይምርግጋዕን ኣብ ፖለቲካ እንታይ እንተዝስራሕ ዝሓሸ ምርግጋዕ ይፈጥር ኣብ ዝብል ዋኒን ዘለኒ ሓሳብ ንምክፋል እዩ፡፡


እዚ ሓፂር ፅሑፍ ሽድሽተ ክፍልታት ኣለውዎ፡፡ እቲ ናይ መጀመርያ ፖለቲካዊ ፀገማት እንታይ እዮም? መበገሲኦም እንታይ እዩ? ዝብል ዋኒን ይድህስስ፡፡ ብምቕፃል እዚ ሕዚ እንርከበሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ከመይ እናዓበየ መፂኡ? ናበይ ከ ይወስደና? ዘለዉ መማረፅታት እንታይ እንታይ እዮም? ዝብል ሓሳብ የልዕል፡፡ ሳልሳይ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ባዕሉ ኣብ ምንታይ ቦታ የቕምጥ? ዝብል ሕቶ ኣልዒለ ዘለኒ ሪኢቶ ከቕምጥ እየ፡፡ ራብዓይ ኣብዚ እዋን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቀውሲ ሓይልታት ፀጥታ ብፍላይ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢዱ ኣእትዩ ክፈትሖ ይኽእል ዶ? ኣብ ዝብል ሕቶ ዘለኒ ኣተሓሳስባ ክገልፅ እየ፡፡ ሓምሻይ ካብዚ ብግልፂ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቀውሲ ከመይ ምውፃእ ይከኣል ኣብ ዝብል ዛዕባ ዝረኣየኒ ሓሳብ ከቕርብ እየ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ መጠቓለሊ ሓሳብ ክህሉ እዩ፡፡


ኣብ ኣቀራርባ እቲ ሓሳብ ብግልፂ ከም ዝረአ እዚ ሕዚ እንርከበሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ ብምዃኑ ብስልጡን መንገዲ ተመኻኺርና ዓብይ ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሑ ንፍተሓዮ። እቲ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ኣብ ኢህወደግን እዚ ውድብ ኣብ ዝመርሖም መንግስቲታዊን ውድባዊን መሓውራት ጥራሕ ተሓፂርና ብንገብሮ ምንቅስቓስ መፍትሒ ክመፅእ ኣይኽእልን፡፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ መሓውር ብተወሳኺ ካብ ፓረትን መንግስትን ወፃኢ ዘለዉ ሓይልታት ፖለቲካን ምልኣተ-ህዝብን ብስፍሓትን ብንቕሓትን ክሳተፉ እንተለዉ እቲ ፀገም ብርግፀኝነት ክፍታሕ ይከኣል ካብ ዝብል መበገሲ ሓሳብ ዝለዓል እዩ፡፡ እዚ ድማ ብልዑል ናይ ህዝብታት መስዋእትን ተሳትፎን ዝፀደቐ ሕገ-መንግስትና ተደሪኽና ኣብዚ ሕገ-መንግስቲ ዝተቐመጡ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ሙሉእ ብዘይ ጎደሎ ኣብ ተግባር ንምውዓል ኣብዙይ ዓንኬል ውሽጢ ሓይልታት ፖለቲካ እውን ብዘይ ናይ ማንም ፅዕንቶ ገደብ ዘይበሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ገይሮም ኣብ መወዳእታ ድማ ብገለልተኛ ዓለም-ኣቀፍ ተዓዘብቲ ነፃን ዲሞክራስያውን ብዘይ ናይ ማንም ፅዕንቶ ዝተፈጸመ መረፃ ምኻኑ ተረጋጊፁ ዝተኻየደ መረፃ ዝሃበና ውፅኢት ተቐቢልና ክንጉዓዝ ቆሪፅና ክንለዓል እንተለና ጥራሕ እዩ ኣብ ዝብል ኣተሓሳስባ ይድረኽ፡፡ እዚ ፖለቲካዊ ከይዲ ብዙሕ ስራሕን ግዘን ዝሓትት ስለዝኾነ ካብ ሕዚ ክጅመር ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡


ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ብምጥቃምን ንዕኡ ብምጉህሃርን ብምግዳድን ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ክኸውን ዝደልዩን ዝፅዕሩን ናይ ወፃኢ ሓይልታት ከይዓረፉ ይሰርሑ ከም ዘለው ምዕዛብ ይከኣል። ንዞም ናይ ወፃኢ ሓይሊታት ንምግልጋል ወሲኖም ዝንቀሳቐሱ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሓይሊታት እውን ኣለው። እዚኦም ብሓባር ዝፈጥርዎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ፤ ካብኡ ሓሊፉ እውን ቀውሲ ክንፃወሮን ክንምክቶን እንኽእል ፈተውቲ ዓዶም ዝኾኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ዘስማዕምዖም ፖለቲካዊ መድረኽ ተራኺቦም ንቐደም ኣብ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዘለው ዘለው ፀገማት እንተውግዱ ወይ ምትእምማን እንትፈጥሩ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ድማ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይርካ ክጅመር ዝኽእል እዩ ኢለ እኣምን። ከምዙይ እንተኾይኑ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ምስ ገለ ናይ ውሽጢ ሓይሊታት ብምትሕብባር ክፈጥርዎ ዝደልዩ ቅልቅላው ምምካት ንኽእል ኢና። እንተዘይ ኮይኑ ዘጋጥም ቅልውላው ንምፍታሕ ክንፅገም ኢና ማለት እዩ።


ሃገርና ዘላቶ ፖለቲካዊ ኩነታት


ሃገርና ኣብዚ እዋን ብጣዕሚ ኣብ ዘይተረጋገዐ ፖለቲካዊ ኩነታት ውሽጢ እያ እትርከብ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ መንግስቲ ዘውፀኦም መግለፅታት እውን አዙይ የመላኽቱ፡፡ ሰፊሕ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ከም ዘሎ፤በቲ ሓደ ወገን እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መሓውራት መንግስቲ ግዕዙይ ምሕደራ ከም ዝተስፋሕፈሐ፤ ፀገም ክራይ ኣካብነት ልዑል ከም ዝኾነ፤ብኽነት ገንዘብን ንብረትን መንግስቲ ብስፍሓት ከም ዝረአ፤ዓብይ ተስፋ ዝግበረሎም ሃገራዊ ፕሮጀክታት ኣብ ግዜኦም ከም ዘይውድኡ፤ እዙይ ድማ ነዛ ሃገር ንዘለዓለ ፀገም የሳጥሓ ከም ዘሎ ይግለፅ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ብዝተፈላለዩ መልዓልታት (ሕቶ መንነት፤ ሕቶ ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነት፤ጉድለት ፍትሒ፤ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ወዘተ) ኣብ ኦሮሚያ፤ህዝብታት ደቡብ፤ኣምሓራን ትግራይን ምልዕዓል ህዝብን መንግስቲ ድማ ሕቶታቶም ክፈትሓሎም ብሰላማዊ መንገዲ እናሓተቱ ይርከቡ፡፡


ብርግፅ ከም ሃገርና ዝበሉ ድሑራት ሃገራት ዱልዱል ዲሞክራሰያዊ ስርዓት ክህልዎም ብዙሓት ፈተናታትን ዕንቅፋታትን ከሓልፉን ቀሊል ዘይበሃል ግዜ ክወስዱን ከምዝግባእ ይእመን፡፡ ምኽንያቱ ከዓ ናይቲ ሕብረተሰብ ብርኪ ዕቤት ማሕበረ-ኢኮኖሚ ዘቕምጦም ግድን ክሕለፉ ዝግበኦም ዕንቀፋታት ስለ ዝህልዉ፡፡ እዚ ናይ ሃገርና ብርኪ ዕቤት ዘቕምጠልና ተፅዕኖ ጭቡጥ ተፅዕኖ ከም ዝኾነ ብምፍላጥ ኣብ ውሽጢ እዚ ጭቡጥ ኩነታት ኮይንና እንሰርሕ ምህላውና ተገንዚብና ምስ እዙይ ዝጠዓዓም ፖሊስን ስትራተጂን ኣውፂእኻ ኣብ ተግባር ምውዓል ይግባእ፡፡ ነዙይ ቀንዲ መልዓሊ ሕገ-መንግስቲ እዩ ኢለ ይኣምን፡፡
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ደረጃ ዕቤት ማሕበረ-ቁጠባ ዝፈጥሮ ጭቡጥ ፅዕንቶ ከም ዘሎ ኮይኑ ኩነታት ሃገርና ዘገናዘቡ ኣብ ማንም ደረጃ ብጣዕሚ ፅቡቕ ክበሃል ዝኽእል ኣብቲ ግዜ ኩነታት ብዝፈቐዶ ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝፀደቐ ሕገ-መንግስቲ ኣለና፡፡ እዚ ሕገ-መንግስቲ እዙይ ህዝብታት ፈቒዶም ክምርሕሉ ዘውፅእዎ ናይዛ ሃገር እቲ ዝለዓለ ሕጊ እዩ፡፡ እዚ ሕገ-መንግስቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን መንግስቲ፤ ሰብኣውን ዲሞክራሰያውን መሰላት ውልቀን ጉጅለን ብዘይ ጎደሎ የማልእ፡፡ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎም ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ተቐባልነት ረኺቦም እዮም፡፡ እዙይ ብሓዱሽ መንፈስ ተፈጢሩ ንዝነበረ ህንፀት መንግስቲ (State Building) ፅቡቕ መልዓሊ ነይሩ፡፡


እዚ ሕገ-መንግስቲ ኣብቲ ህዝባዊ ዕጥቂ ቓልሲ ውሽጢ ወያናይ ዲሞክራስያዊ መንፈስ ዝተላበሰ ኣብ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ክህሉ እቲ ዝድለ ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓን ባህርን መለክዒ (Standard) ክኸውን ኢልና ዘቐመጥናዮ ናይቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዓወታት ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ነይሩ እብል፡፡ ደሓር ግን ኢህወደግ ምስ ካልኦት ሓይልታት ፖለቲካ ብፍላይ ከዓ ምስ ኦነግ ብሓባር ዘቐመጥዎ ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓን ባህርን መለክዒ ክኸውን ዝበሎ ምትግባር እናኣበዮ እዛ ሃገር ናብ ዘይድለ መንገዲ እናኣተወት ትርከብ፡፡
ድሕሪ እዙይ ዘሎ ኩነታት እንትረአ ብዙሓት ኣወንታዊ ዕብየታት ተመዝጊቦም እዮም፡፡ እዚ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ህዝብታት ሃገርና ዋላ ምስ ፀገሙ እንተኾነ ዓርሶም ናይ ምምሕዳር ልምዲ ረኺቦም ኣለዉ፡፡ ካበዚ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተሞክሮ ድማ ዓርሶም ምምሕዳርን መሰሎም ሙሉእ ብሙሉእ እንተዝጥቀሙ ክህሉ ዝኽእል ጥቕሚ ምርኣይ ጀሚሮም ይርከቡ፡፤ እዚ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ተግባር እንትውዕል ከምቲ ኣብ ፅሑፍ ዘሎ ከምዘይኮነን ኣብ ኣተገባብራ ዘሎ ሕፅረትን ፀገምን ንምፍላጥ ኪኢሎም፡፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ብዝተሰርሐ ማሕበረ ቁጠባዊ ስራሕ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ብዛዕባ መሰሉ፤ እዚ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዝፀድቀሉ እዋን ካበ ዝነበረ ንላዕሊ ብዝበለፀ ብምግንዛብ፣ እዚ ሕገ-መንግስቲ ክትግበር ፍልጠትን ድሌትን ኣለዎ፡፡


ብዙሕ ሙሁር ሓይሊ ሰብ ተፈጢሩ፤ ኣብዛ ሃገር ዝተዘርገሑ መንገድታትን መራኸበቲ መስመራትን እቲ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ክራኸብ፤ ፍልጠቱን ዝረኽቦ ኢንፎርሜሽንን ምዕቡል ከኸውን ኣኽኢልዎ፡፡ ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ምስ ወፃኢ ዓለም ዘለና ርክብ ብብዙሓት ገመዳት ተኣሳሲሩ ብዝበለፀ እናጠንከረ መፂኡ፡፡ እዙይ ማለት ተፅዕኖ ግሎባላይዜሽን እዚ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዝፀደቀሉ ዝነበረ እዋን ካብ ዝነበረ ዝበለፀ እዩ ማለት እዩ፡፡ እዞም ኩሎም ኩነታት ደሚርካ እንትረአ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ዘለዎ ኣተሓሳስባን ንምስታፍ ዘለዎ ፍልጠትን ድሌትን ወሲኹ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ብሓፂር ኣዘራርባ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክሰፍሕ ይደሊ፡፡ እንተንኣሰ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ተቐባልነት ዝረኸቡ መሰላት እንከይተሸርሸሩ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ተግባር ክውዕሉ ይደሊ፡፡ ብኣንፃሩ መንግስቲ ድማ እዞም ተቐባልነት ዝረኸቡ መሰላት ዝግድቡ ኣሰራርሓታትን መምርሕታትን ብምውፃእ ምህዳር ዴሞክራሲ እናፅበቦ ይረከብ፡፡ እዚ ተግባር ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንዘሎ ፖለቲካዊ ቀውሲ ሓደ ዓበይ ምኽንያት እዩ፡፡
በዚ ሕገ-መንግስቲ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ሙሉእ ብዝኾነ መንገዲ ዘይምትግባርን፤እንትብእስ ድማ ምህዳር ዴሞክራሲ እናፀበበ እንትኸይድ ክልተ ነንባዕሎም ዝደጋገፉ ምኽንያታት ኣለዉ ኢለ ይኣምን፡፡ እቲ ቐዳማይ ናይ ፖለቲካ ስርዓት እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ቁጠባ ዘለዎ ወሳኒ (ዓብይ) ግደ እዩ፡፡ እዚኦም ብምድግጋፍ ፈፃሚ ስራሕ ናይ መንግስቲ ክፍሊ ናይ ምውሳን ሓይሊ ሚዛን ካብ ካልኦት ክፍልታት ብዝበለፀ ከምዝን፤ብምክንያት እዚ ኣሰራርሓ ተሓታትነት ክለምስ፤ቀስ ብቐስ ከዓ ህዝቢ መንግስቲ ክቆፃፀር እናተገበኦ እቲ ኣፈፃሚ ስራሕ ህዝቢ ብምፍርራሕ ዝደለዮ እናገበረ ዝኸደሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡ ሕዚ መንግስቲ የጋጥምዎ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፀገማት ፍልፍሎም ናይቲ ገዛኢ ፓርትን ናይ ስራሕ ኣፈፃሚ ኣካልን ገደብ ዘይብሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስልጣነን ሓይልን እዩ፡፡ እዚኦም በብሓደ ንርኣዮም፡፡