ኣብ መፋርቕ  እዛ ወርሒ  ጥሪ 2008 ዓም፤ ኣብ ኣዳራሽ ሰማእታት 1500 ሰብ ዝተረኽቦን “ሰናይ ምምሕዳር” ዝተሰየመን  ኮንፈረንስ  ተኻይዱ ነይሩ። ወናኒ ወይ ፀዋዒ  እቲ ኮንፈረንስ ውድብ ድዩ መንግስቲ ኣይተፈልጠን።  ኣብ ትግራይ ስራሕን ሓላፍነትን ክልቲኦም ኣካላት  ናይ ምትሕውዋስ ባህሊ ብህዝቢ ስለዝተለምደ ግን ብዙሕ ተዓዛቢ ኣብዚ ጉዳይ  ተዋፀኦ  ኣይደንፀዎን። እቶም ዝተወከሉ  ህዝቢ ዝመረፆም ምኳኑ ብካድረታት ክውረ ዝቐነየ ኮይኑ፤  ገሊኦም ግን ኣባላት ውድብ ስለዝኾና መፂእና ይብሉ።

ገሊኦም  ድማ ሞዴል ሓረስታይ ብምኳነይ እየ መፂኤ ክብሉ ሪኢቶ እንትህቡ ይዛረቡ ነይሮም። ውክልና እዚ ኮንፈረንስ  ብሓፂሩ፤ ኣብ ትግራይ ውድብ እንተደልያ ብውድብ ትመፀካ እንተደልያ ብመንግስቲ ትመፀካ፤ ኢዳ ነዊሕ እዩ” ንዝብል ነባር እምነት ህዝቢ ደጋጊሙ ዘረጋገፀ እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።   ውድብ ህወሓት ጥራሕ ትግራይ ክትብሕቶ ካብ ዝብል ሕዱር ሕማም ዝመፅእ እዩ ይብሉ። ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር ንምዝታይ ብውሑዱ ኣብቲ እትእክቦ ሰብ ፍትሓውነት እኳ ሰናይ ምኳን ይጠልብ።  ከምኡ እንተዘይኮይኑ ቂም ሒዝካ ከም ምፅላይ ይሕሰብ።

ብዝኾነ እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ብኣመፃፅእኡን ብሰንኪ ጥርናፈን ኣብ ከብዲ   ህዝቡ  ዘሎ ትክከለኛ ሕማም የንቱግ ዶ ብዘየገድስ፤  መቸም ስቕ ኢሉ ግን ኣይወፀን። እዙይ ፅሙቕ ኣቢልና በቢዞብኡ ዝቐረበ ታሪኽን፤ ገለ ዝተዋህቡ ምላሻትን ዘቕረብናልኩም እዩ።   

ሌባ ዘፍርሓሉ ዘበን ሓደገኛ እዩ

ዞባ ሰሜን ምዕራብ

-ካብ ማይ ፀብሪ ንማይ ተመን ዝኸድ መንገዲ፤ ህዝቢ ዝመረፆ ብማይ ፀብሪ፤ ብዋልድባ ገይሩ ብሽኳር ፋብሪካ ገይሩ ንማይ ተመን ክኣትወሉ እዩ። እቶም ናይ ፌደራል ሰብ ሙያ ግን ገማግም ተከዘ በረኻ በረኻ ንክሓልፍ እዩ።  እዙይ ህዝቢ ብጥብቂ ይቃወሞ ኣሎ። መንገዲ ዝዘስራሕ ህዝቢ ብዘለዎምበር ብበረኻ ኣይኮነን ይብል።

-ወልቃይት ሽኳር ፋብሪካ ፤ ምስ ትምክሕቲ ሓይልታት ዝተታሕዘ ክውዳእ ኣይድለን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሎ ይብሃል። ንምንታይ ዘይውዳእ?

-ትእምት ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝሰርሓቶ ነገር የብላን ንምንታይ?

-መንእሰይ ስራሕ ዝፈጥረሉ  ስልጠናን ቀረብን የለን

-ተጋደልቲ ክብሪ ስኢኖም። ኣካሎም ዝጎደሉ ተቃለስቲ ጠማቲ የብሎምን ።

-ውድብ ባይታ ወሪዳ ድልየታት ምንባብ ገዲፋቶ እያ። ምስ ህዝቢ ሰሚናርን ዘተን ኣይተካይዱን።

-ውድብ ኣብ ኣተሓሳስባምበር ኣብ ፀብፃብን ቁፅርን ክተትኩር ኣይግባኣን ነይሩ። ግን ኣብ ቁፅሪ እያ ተድህብ ዘላ። ልምዓት ልምዓት ጥራሕ ኢኹም ትብሉ ምበር ንፖለቲካዊ ህንፀት ቦታ ኣይትህቡን ዘለኹም።

-እቲ መንእሰይ ወለዶ፤ ሲቪል ሰርቫንት ፤ ህዝቢ ዝፈቱ ውግንና ህዝቢ ክህልዎ ዘግብር ህንፀት ኣራእያ ኣይትገብሩን። ራእይ ዘለዎ ትውልዲ ኣይቐረፅን ዘሎ።

-እዚ ወለዶዚ እኹል ህንፀት ከይሓዘ  ብስሩ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ይቕፅሎ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣሎ።

-ኣብ ምልመላ መሪሕነት ውን፤ ዓቕሚ ውግነና ህዝቢ መሰረት ገይሩ ዘይኮነስ ብፍልጦን ወገንተኝነትን እዩ ዝምልመል ዝብል ህዝቢ ይሓትት።

- ምስ ህዝቢ ከይትራኸቡ ድፍረት ትስእኑ ኣለኹም።

-ግምገማ መጠቓቕዒ ኮይኑ፤እንድሕር ገምጊምካ ትፅላእ ትጥቓዕ። ህዝቢ  ስቕ ከይብል ይኹን ከይዛረብ ጨኒቁዎ።

-ኣብ ኣገልግሎት  እምቢ ወይ እሺ የላን ይርዳእኻ የለን። መታወቅያ ንምውፃእ እኳ ሃቡና ይብሉ።

-ንኣካላት ፍትሒ ወረዳ ይኹን ዞባ ፤ ኮንትሮባንዲስት ደለልቲ እዮም ዝመርሕዎም ዘለዉ። ፍትሒ ብሰብን ብገንዘብን ተወኒና እያ።

-ምሁር ምስበዝሓ ወንበር ምስተታሕዘ  ፍትሒ ጠፊኡ  ፀገም ይፍጠር ኣሎ።

-ስድራ ተጋደልትን ደቀንስትዮን ብፍሉይ ወፅዓ ይውፅዑ ኣለዉ።

-ዕብይ ዝበለ ናይ ኣፅዋርን  ዘይሕጋዊ ስደት ሰብን ዝተታሕዘ ፀገም ኣሎ። ንሱ ምስ መሓውራት መንግስትን ውድብን ዝተታሕዙ ሰባት ደለልቲ ዝፍፅምዎ እዩ።

-ፀለምቲ ፤ ላዕላይን ታሕታይን ኣድያቦ ፤ ኣስገደ ኩሎም ንልምዓት ኢሉ ኣብ ዝፋናቐል ገባር ዘሎ  ኣወሃህባ ግምት ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሎም።

-ቃልሲ ይውላዕ ኣዛሪቦም ዝሑል ማይ ይደፍኡሉ ኣለዉ። ድምፂ ህዝቢ ትሰምዑምበር ኣይተዳምፁን። ስጉምቲ ኣይትወስዱን። ኣብ ሽረ ሃብቶም ኣዳራሽ ዝተገብረ ውዲት ሙስና ግልፂ አናሃለወ ስጉምቲ ኣይቴወስደን። ኣብ ፅገና ስሑል ሆስፒታል ሽግር ኣሎ።ሽረ ፖሊስውን ጠልቆምቆም እናሃለወ ስጉምቲ ኣይተወስደን።

 -ኣብ ኣመሓዳሪ ላዕላይ ኣድያቦ ዝነበረውን ቤት ምኸሪ ከይገምገምና ህዝቢ እዚኣ እንተይበሎ ተቐይሩ ሰዲድኩምዎ፤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣየድልን ማለት ድዩ? እዚ ክተርፍ ይግባእ።  

-መዛግብቲ ግልፅነት ከይረኸቡ ብፀረ ሙስና ብ42 ይዕፀዉ እዮም ንምንታይ።

-ሹመኛታት ፍልፍሉ ካበይ ምኳኑ ዘይፍለጥ ዘፍረይዎ ሃፍቲ ኣሎ ክትትል ኣይግበርን።

-ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ኘመንግስቲ ምስ ስርሖም ኣብ ዝጓነፅ ንግዲ እዮም ተዋፊሮም ዘለዉ ንምንታይ።

-ንፍፅመልኩም ዝብሉ ደለልቲ ምስ ቤት ፍርዲ ዓቀብቲ ሕጊ ይውዕሉ ኣለዉ። ንሶም እዮም ወሰንቲ ኮይኖም። መንግስቲ ታይ ይገብር ኣሎ።

-ዓዲ መሓመዳይ ዘሎ ፅርግያ ብትክክል ኣይተሰርሓን። ሰብ ብዶሮና ሓሚሙ። ብቕዓት ዘይብሎም  ኮንትራክተራት  ስራሕ ብምንታይ መዐቀኒ ይውሃቦም።

 ንመንእሰይ  ቦታ እናሃለወ ሰኣን ምሃብ ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ።

ዞባ ደቡብ

-ናይ ሊዝ ስርዓት ንሃፍታም እምበር ንድኻ ኣይጠቅምን ።  ስነምግባር ብዝጎደሎም ሰባት መረዳእታታት ንሃፋትም እናተዋህበ ንሶም ይወስድዎ ኣለዉምበር ድኻ ብሊዝ ኣይተጠቕመን። ስርዓት ዘይነትሕዞ።

-ኣብ መዛገጃ ቤት ኣብ መሬት ግምት ዕደላ ማስተር ፕላን ፀገም ኣሎ ፤ኣብ መሃንዲሳት ዘሎ ብርቱዕ ፀገም ይፈታሕ።  ዕሸል ከተማታት ማስተር ፕላን ስለዘይወፀለን ሰብ ገዝኡ ከመሓይሽ  ከምኡውን እተን ከተማታት ክዓብያ ኣይከኣላን።

-ዝስርሓ ፋብሪካታት ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ይቁለል ኣሎ። ፍትሓውነት ኣተኻኽላ ፋብሪካታት መመዘኒኡ ይነፀር።

-ፍትሓዊ ልቓሕ ደደቢት ጨንፈራታ ናብ ታሕቲ ስለዘየውረደት ጥሮተኛታት ዝረኽብወን ገንዘብ ኣብቲ ዝኸድወን ኣጥፊኦመን ይምለሱ ኣለዉ ።

-ናይ ሚድያ ሽፋን ዘይረኸባ ከም እምባላጀ ዝበላ ከባብታት ኣለዋ። ሰብ ሓበሬታ ከይረክብ ይግበር ኣሎ።

-ሰፊሕ ናይ መንእሰይ ስደትን ብርሰትን ኣሎ።

-እቲ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ዝተረጋግአ ስራሕ ዝፈጥር ዝተማህረ ተስፋ ዘለዎ ክኾን ስለዘይተገብረ እዩ ።

-ኣብ ሕድሕድ ንጥፈት ተሳትፎ ሕብረተሰብ፤ ሓሳብ ክገልፅ ክስማዕ ምግባር የለን። ህዝቢ ብውዳበታትን ሓፋሽ ማሕበራትን ነፃ ሓሳቡ ክገልፅ ኣይተገብረን።

-ዘይሕጋዊ ንግዲ፤ ኮንተሮባንድ፤ ዝውውር ሰብ፤ ሽያጥ ዕጥቂ ብረት ሓደገኛ ፀገማት ውን ኣለዉ።

-ዳያኑ ፤ ፖሊስ፤ ዓቃብያን ሕጊ ብላዕ ዝለመዱ ኣለዉ። ቅፅዓትውን ኣይውሰደሎምን ሰብ ድማ ተሸቑሪሩ።

-እቲ ሓረስታይ ማዳበርያ ብ700 ገዚኡ ብ200 ይሸጦ ምኳኑ ትፈልጡዶ። ኣይጥቀመሉን። ማዳበርያ ህዝቢ ዘየእመንካ ውሓጣ ይብሃል።

-ኣብ ጥሙጋ ናብ 60 ዝኾኑ መናእሰይ መሬት ንልምዓት ይውሃበና ኢሎም ከይተዋህቦም፤ እቶም መሬት ዴስክ ዝብሃሉ ችናሸንሸኑ ይሸጥዎ ኣለዉ።

ኣብ ጠረፍ ዘለና ነበርቲ ጥሙጋ ሰብ ከም በጊዕ ብኻራ ዝሕረደሉ ቦታ እዩ።

ዞባ ማእኸል

-ምስ ቱሪዝማዊ ፀጋታትና  ዝምጥን ኣወደድባን ጠመተን ኣይተገብረን።

-ካብ ቱሪዝም ዝርከብ እቶት ንፌደራል ካብ ዝኸውነ  ንልምዓት እቲ  ከተማ ክከውን ዶ ኣይግባእን

-ዛጊድ ኣብ ዝተኻዕታ ጎዳጉዲ መስተ ማይ ምሕደራ ዝምልከት ከቢድ ፀገማት ኣሎ።

-ዓድዋ ከተማ ዘፍረሰ ናይ መንገዲ ህንፀት መዓዝ እዩ ክፍታሕ። ንምንታይ ብቕዓት ዘይብሉ ኮንትራክተር ወሰዶ፤ ንምንታይ ገዛውቲ ኣጓይኹም ኣፍሪስኩም ንዓመታት ዓዲ ዑና ጌርኩማ።

-ንተረካቢ ሃገር መንእሰይ ዝግበር ህንፀትን ጠመተን ይውሕድ እዩ። ፖለቲካዊ ስራሕቲ ኣይትሰርሑን።

-ስድራ ተጋደልትን ኣካል ጉድኣትን ይፅግሞም ኣሎ። ማዕሮ ቦርድ ዘይብሎም ኣለዉ

-ንስድራ ስውኣት ዝግበር ደገፍ ማዕርነቱ ሓልዩ ክቕፅል ኣለዎ።

  • ሓደ ካድረ 9ሓላፊ ፕሮፖጋንዳ ዞባ ማእኸል) ሪኢቶ ህዝቢ ፀሚቑ ከቕርብ ተወኪሉ ክንዲ ሪኢቶ ህዝቢ ከምዘሎ ዘቕርቦ ናይ ባዕሉ ሪኢቶን መደምደምታን ብምውሳኽ ናይ ነበለት ወረዳነት ሕቶ ከምዚ ኣቕሪቡ

“ ብመሰረቱ  [ናይ ነበለት ወረዳ ይመለሰልና ሕቶ] ናይ ልምዓት ሕቶ ኣይኮነን። ነበለት ሕዚ ብዝተወደበቶን ቀደም ዝነበረቶን ዝነበረ ምንቅስቓስ ልምዓት ምልስ ኢልና ንርአዮ። ነበለት በይና ኣይኮነትን 81 ዝነበራ ወረዳታት ትግራይ 12 ዝነበራ ኣውራጃታት ናይ ደርጊ ልምዓት ኣየምፀአን። ብመሰረቱ’ውን ንልምዓት ኣይነበረን። ካብ ነበለት ናይ ልምዓት ሕቶ እንትቐርብ እንታይ እዩ መበገሲኦም? ኣብ ማይ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ፅርግያ ኣብ መብራህቲ  ኣብ ጥዕና ኣብ ሕርሻ መፂኡ ዘሎ ልምዓት ከም ሃገሮም ለሚዖም እዮም። ዝተርፍዎ ሕቶታት ሓደ ክልተ ኢሉ ኣቕሪቡ እዩ።

እቲ ናይ ኸዚ ሕቶ ግን ትክክል ኣይኮነን። ሓደ ንሓትት ብእዋኑ ኣይተመልሰልናን ዝብል እዩ። ብእዋኑ ግን ተመሉሱ እዩ። ኣብ ጉባኤና ተላዒሉ መደምደምታ ተዋሂቡ እዩ፤ ኣብ ክለል ቤት ምኽሪ ተራእዩ  መልሲ ተዋሂብዎ ተደምዲሙ እዩ፤ ኣብ ዞባ ተላዒሉ መልሲ ተዋሂቡ ተደምዲሙ እዩ። ኣብ ወረዳ ኣብ ጣብያ ተላዒሉ መልሲ ተዋሂቡ ተደምዲሙ እዩ።

እንታይ ደኣ እዩ እቲ ድልየት እንተተባሂሉ እቲ ውሽጡ እቲ ድሕሪኡ ዘሎ እዩ ክርአ ዘለዎ ኢሉ ገዛ ተመያይጡ። ሓደ ትግራይ 81  ወረዳ 12 ኣውራጃ ይኹና ካብ ዝብል ዝልዓል ስለዝኾነ ናይ ደርጊ ኣወዳድባ ምንፋቕ እዩ። እዙይ ነቲ ሰላምን ልምዓትን ብዝጠቅም ዘይኮነስ ናይ ውልቀ ድልየታት ንምርዋይ እዩ። እዙይ ብመሰረቱ ናይ ህዝቢ ሕቶ’ውን ክኸውን ኣይኽእልን። ናይ ህዝቢ ሕቶውን ኣይኮነን። ናይ ወረዳ ይመለሰልና ኣተሓሳስባ ዝመፀ ልምዓት ስለዝሰኣኑ ስለዝጎደሎም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እዩ ስልጣን ህረፍ ኣሎ ኣብቲ ከባቢ። ስልጣን ህረፍ ዘለዎም ውልቀሰባት ኣለዉ። በዚ ኣቢልካ ክራይ ክትእክብ ዝደሊ ኣካል ኣሎ። በዚ ኣቢሎም እውን ካብ ሰብ ገንዘብ እናዋፅኡ መነባበሪኦም ገይሮም  ኦሮማይ ከም ስራሕ ገይሮም ዝቆፅርዎ  ኣለዉ።  ነዚኦም ኢና ነሰራስር ዘለና።

     ነዚኦም ጠጠው ኣብሉ ዝብሎም ኣካል የለን ። ካብ ኸዚ ግን ደው ከብሉ ኣለዎም። ናይ ህዝቢ ሕቶውን ኣይኮነን ምስ ልምዓት ኣተኣሳሲርካ ዝመፀውን ኣይኮነን። ልምዓት ኸዚ እዩ ዝለምዕ ዘሎ። ተወሳኺ ወፃኢ ዘየድሊ ንኽነውፅእ ዝዕድም  ሕቶ እንትቐርብውን ነቲ ህዝቢ ነቲ ውድብ ነቲ መንግስቲ ኣይጠቕሞን።  ከም ውድብን ከም መንግስትን እዙይ ተመሊሱ ዝሓደረ እዩ። ከም ሓዱሽ እናገበርካ ኣብ መድረኻት ምልዓሉ ግን  ነቶም ገንዘብ እናተዋፀኣሎም ዝነብሩ ደሞዝተኛታት ምድጋፍ ማለት እዩ። ስለዚ ደው ኣብሉ መንግስትን ህዝብን መልሲ ሂቡ እዩ ዓሪፍኩም ተቐመጡ ። ገንዘብ ምውፃእ ትኽክል ኣይኮነን ጠጠው ይበል። ኣብዛ ዝነበረት ናይ ዞባ ጉጅለ ምይይጥ 2 እቲ ሕቶ ትኽክል እዩ እንትብሉ፤  ዝተረ ፈ ኩሉ ትክክል ኣይኮነን ኢሉ።”

 

  • ካልእ ላዕለዋይ ሓላፊ (ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል)  ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ መብርሂ ድማ ካብቲ ላዕለዋይ ሕቶ ህዝቢ ኣይኮነን ኢሉ ዝደምደመ ሪኢቶ ቁሩብ ፍልይ ኢሉ ይጅምር። መደምደምትኡ ግን ሓደ እዮም።

“ ንሕና ከም ዞባ እንትንመያየጥ ዝሃብናዮ መደምደምታ፤ ብርግፅ እቲ ሕቶ ናይ ህዝቢ ሕቶ ክኸውን እዩ። ሕቶ ህዝቢ ከምዝኾነውን ይፍለጥ እዩ። ካብቲ ሕዚ ዝኔናዮ ናይ ልምዓት ምንቅስቓስ ዝያዳ ደኾን ንለምዕ ዝብል ባህጊ ልምዓት ዘምፀኦ ሕቶ እዩ። ዝሕቶዚ ንምንታይ ተላዕለ ኣይብሃልን። እቲ መንገዲ እሱ ኣይኮነን ዝብል መልሲ እንትውሃበካ ግን ዓሪፍካ ዘይከኣለሉ ዘሎ ዋና ምኽንያት፤ ከም ሓደ ናይ ጥቕሚ መርከቢ ገይሮም ዝወስድዎ ኣብዚ ጉዳይ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ስለዘለዉ እዩ። ስለዚ ነዚኦም ዓሪፍኩም ተቐመጡ ክብሃሉ ኣለዎም ናይ ነበለት ልምዓት ሕቶ ዝምለስ ናይ ወረዳ ማእኸል ብምኻን ኣይኮነን።”

  • ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክብርቲ ወይዘሮ ቁዱሳን ነጋ ድማ ኣብዛ ጉዳይ ከምዚ ኢለን።

“…  ሕገ መንግስትና ሓደ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ማሕበረሰብ ምፍጣር ይብል። ካብ ምእኹል ናብ ዘይምእኹል ፌደራሊዝም መፂና ባዕልና ንመሓደር ኣለና። ብቋንቋና ብባህልና ኮሪዕና ዓርሰ እምነት ሒዝና ንኸድ ኣለና። እዙይ ኮይኑ ሓደ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ ብዓዲ ደረጃ ክንመርሕ እናበልና ከመይ ኢልና ኢና ሕዚ ወረዳ ይመለስ ጣብያ ይመለስ ንብል። እዙይ ፀረ ሕገ መንግስትን ፀረ ዝተቓለስናሉ ዕላማን  ስለዝኾነ ኩልና ክንርድኦ፤ ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን ግን ድማ ነቲ መንእሰይ ክነፍልጦ  ክሳብ ታሕቲ ከም መንግስትን ውድብን ክንሰርሓሉ ዝግባእ እዩ። ከም ዓዲ ደረጃ ጥራሕ ኣይኮነን። ሕብረት ኣፍሪካ እንብለሉ ደረጃ ኢና ዘለና። መበል 21 ክፍለ ዘበን ኢና ዘለና፤ ግሎባላይዜሽን ሓንቲ ዓለም ኮይና። ናብኡ እናሓሰብና ወረዳ ትመለስ ጣብያ ትመለስ ንድሕሪት ዝመልስ እዩ።”

 -ማሕበራት ሲቪክን ናይ ሓፋሽ ማሕበራት ንምስፋሕ ዲሞክራሲ መሳርሒ ምኳነን እናፈለጠ ክሰፍሓ ዘይምግባሩ መንግስቲ ዲሞክራሲ ክፀብበ ይገብር ኣሎ።

-ጣንቋ ኣበርገለ ሎሚ ዘበን ጥሪቱን ህዝቡን ኣብ ድርቂ ኣትዩ  ፀገም ኣለዎ።

-ብስልጠናን ኣካላዊ ብቕዓትን ዘይተርንዑ ሰባት ብጉቦን ብዝተፈላለየ መንገድን መግንሒ መኪና ይውሃብ ሰብ ይውዳእ ኣሎ።

-ኣብ ፖሊስ ክብድ ዝበለ ፀገም ኣሎ። ሰብ ምጥቃዕ ኣሎ፤ ምጉጅጃል ኣሎ።  እናተጓጃጀሉ ነቲ መንእሰይ የርእይዎ ስለዘዘለዉ፤ እቲ ህዝቢውን ክንዲ ናብ ልምዓት ምውፋር ናብኡ ይምለስ ኣሎ።

-መንእሰይ ተሃንፆምበር፤ መንእሰይ ተምህሮምበር፤ መድረኽ ተትሕዞምበር ምቕጥቃጥ ግቡእ ኣይኮነን። ብሰንኪ ምቓዕ ክሳብ ዓይደር ዝመፁ ( ክሕከሙ) መናእሰይ ኣለዉና። እዚ ኣስተምህሮ ኣይኮን፤። ብበትሪ ወቂዕኻ ዝመሃርን ዝስተኻከልን እንተዝከውን ነይሩ  ዋእ ኣድጊ ትውቅዖ ይበዝሕ ኣድጊ ዶክተር ምኾነት። ናብ ግልፂ ንእቶ። ቁስልና ሸፋፊንና ንኸይድ እንተኾይንና ፅባሕ  ኣብታ ታሕቲ ክንድገም ምዃንና ንርዳእ። ብፍላይ ምጉጅጃል ፀረ ዲሞከራሲ እዩ ከፅድፈና ይኽእል። ኣብዚ ንማለቱ እዩ ተጠቒሱምበር ኣብ ታሕቲ ንኡስ ወረዳ ዓብይ ፀገም ኣሎ ደድሕሬና ወሪድኩም ፈትሽዎ።