ኢንጅነር ኣሰፋ ኣብርሃ ይበሃል፤ ሓው ፍሉጥ ተጋዳላይ ስየ ኣብርሃ እዩ። ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብኢንጂነሪንግ ተመሪቑ ስራሕ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ ብደርጊ ኣስታት 9 ዓመት ኣብ እሱር ኣሕሊፉ። ድሕሪ ቅድቀት ደርጊ ብዝተፈላላዩ ብርኪታት ስራሕ ክሳብ ብሚኒስተር ደረጃ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ተመሊሱ ድማ ብኢህወዴግ እውን ክንድታ ናይ ደርጊ ተኣሲሩ። ሐዚ ብውልቅኡ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ። ኣብ ቀረባ ምስ ሓወ ሰየን ካልኦት ደገፍቱን ቤተሰብን ኮይኑ ብሽም ስውእ ሓው ገብረስላሰ ኣብርሃ ሓደ ቤት ትንህርቲ ኣስሪሑ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይን ኣብ ኣጠቓላሊ ኩነታት እቲ ቤተሰብ (ኣብ ታሪኽን ሎምን) ኣመሊክትና ሰፊሕ ወግዒ ገይርና ኣለና። ቀዳማይ ክፋሉ እኑሀ። ሰናይ ንባብ።

asefa1

ውራይና፦ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ክነዋግዕ ፍቃደኛ ስለዝኾንካ ብጣዕሚ ነመስግን። እሞ ከም መፈለሚ ክኸውን ብዛዕባ ቤተሰብካን ኣተዓባብያካን ብፍላይ ድማ ኩሉኹም ዝተምሃርኩም ኢኹም እሞ ምስኡ አተኣሳሲርካ ብዛዕባ ትምህርትን ገዛኹምን እውን ዶ ክተፃውተና?

ኢንጅነር ኣሰፋ፦ ገዛና ገጠር እዩ፤ ተምቤን -ዓዲሓ ይባሃል። እዛ ሕዚ ቤት ትምህርቲ ኣስሪሕናላ ዘለና ቁሸት ዓዲሓ ዘጣየሽዋ ኣባሓጎና እዮም። ሰሞም ቀኛት ሓጎስ ይብሃል። ኣቦ ቀኛት ሓጎስ ከዓ ቀኛት ገብረ ተክለ ይበሃሉ፡ ዓዲ ቀኛት ገ/ተክለ ፤ እቱ ሰቄን ዳመግደላይት ዝበሃል፤ ካብ ዓዲሓ ንሰሜን ገጽ፤ ሩባ ፃሌት ተሻጊርካ ዘሎ ጣቢያ እዩ። ቀኛት ገ/ተክለ ብዙሓት እዮም ወሊዶም፤ ካብኣቶም ብፍላይ ቀኛት ሓጎስ ብመንእሰዮም ምስቶም ብቱ እዋን ዝነበሩ ነገሥታትን ራእስታትን ብውትድርና ብዙሕ ተንቀሳቒሶም፤ ኣብ ብዙሕ ውግእውን ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ውግእ ይቖስሉ እሞ፤ ካብ ውትድርና ተሰናቢቶም ምስ ሰራዊቶም ናብ ዓዶም ትትምለሱ፡ ከክንዲ ንሰቄን ናብ ዳቦኦም ምኻድ፡ ምስ ወታደራቶም ኣብ ዓዲሓ መጺኦም ሰፈሩ ይበሃል። ካብ ቀኛት ሓጎስ ንደሓር ዘለና ኩላትና ኣብዚኣ ኢና ተወሊድና ዓቢና።

ድሕሪ ናይ ሃጸይ ዮሃንስ መስዋእቲ፤ መንግስቲ ናብ ሸዋ ትትዛወር እሞ ራእሲ አሉላ እውን ናብኡ ምስከዱ፤ኩነታት ቀኛት ሓጎስ እውን ጽቡቕ ኣይነበረን ይበሃል። ራእሲ መኮንን ዝበሃሉ ናይ ሃጸይ ምኒሊክ ወኪል ኮይኖም ኣብ ዝመጹሉ እዋን ንኣቦ ሓጎና ኣሲሮም ክሻዕ ውጫሌ ወሲዶምዎም ነይሮም። ብድሕሪኡ ግን ተረጋጊዖም ብሰላም ክነብሩ ጀሚሮም፤ ቆልዑ ኣዕብዮም፡ ሃፍቲ ኣጥርዮም። ድሐሪኡ እዮም ንኣቦይ ሓዊሶም ዝወለዱን ዝዘመዱን። ኣቦና እቲ ዝነኣሰ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኣብኡ ቀኛት ሓጎስ ኣመርዕዮም ኣይገደፍዎን፤ ከይተመርዐወ እዮም ሓሊፎም። ይኩን እምበር ካፍቶም ካልኦት ዓበይቲ ኣሕዋቱ ፍልይ ብዝበለ፤ ኣቦና ናብ ሙህሮ የድህብ ነይሩ። ከምቶም ዓበይቲ ኣሕዋቱ ክንደይ ፅምዲ ብዕራይ ኣውፈርና ክንደይ ጠበንጃ ሓዝና ኣብ ዝብል ልሙድ ናይ ሃፍትን ዓቅምን መግለፅታት ኣየድሃበን። ገና ብቖልዕኡ ጭክን ቀቐማን ኣብ ዝበሃሉ ናይዚ ከባቢና ዓበይቲ ገዳማት ከይዱ ናይ ቤተ ክህነት ሙህሮ ተማሂሩ እዩ።

ብድሕሪኡ እቲ ቤተ ሰብ ምስ እንዳ ራእሲ ጉግሳ ርክብ ስለዝነበሮ ሽዑ ጠፊኡ ናብ መቐለ መፂኡ ምስ ራእሲ ጉግሳ ሓደ ዓመት ተማሂሩ እዩ። ናብ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ቀለብን መምህርን ተቆፂሩሉ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ንሱ እውን ብናይ ቤተ ሰብ ምክንያት ኣቋሪፁዎ ናብ ተምቤን ተመሊሱ፤ ብዙሕ ተይጸንሐ እውን ናይ ጣልያን ወራር ስለዝመጸ ናብ በረካ እዩ ከይዱ። ቱ ቐዳማይ ሓውና ሕሉፍ ኣብርሃ ጣልያን ትትመጽእ፤ ኣብ በረካ እዩ ተወሊዱ። ከምኡ እናበለ ፀኒሑ፤ ኣቦና ድሕሪ ጥልያን እዩ ርጉዕ ሓዳር ገይሩ ቆልዑ ኣፍርዩ።

ስለዚ እንታይ እየ ክብለካ ደልየ፤ናይ ሙህሮ ጥቕሚ ንኣቦና ብጉሓቱ ተረዲእዎ፤ ጀሚርዎ ግን ድማ ክምልኦ ዘይከኣለ ሕልሙ እዩ ነይሩ ዝመስለኒ። እቱ ንሱ ተመንዩዎ ዝሰኣኖ ሙህሮ፤ ንሕና ደቁ ልኽንረኽቦ ብዙሕ ፅዒሩ፤ ከምቱ ኣይተ ሰይፈ ወዲ አምበስን፤ ቶም ዓበይቲ ዓዲሓን፤ ኣፍቱ በዓል ምረቓ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ገ/ሥላሰ ኣብርሃ ትትዛረብዎ ዝሰማዕኻዮ ደማይ ቱ ናይ ምምሃር ዕድል ኣብ ደቁ ጥራሕ ተሓፂሩ ክይተርፍን ኩሉ ወዲ ቱኸባቢ ንኽማሃር ቱ ናይ ዓዲሓ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምጥያሽ ዝተፃወቶ ተራ እውን ዕዙዝ እዩ ነይሩ።

ከም ኣብነት፡ ኣቦና ንቱ ናይ መጀመርታ ወዱ ሕሉፍ ገና ኣፍቱ መፋርቕ ኣርባዓታት ኣብ ዓብዪ ዓዲ ሙህሮ ትትጅመር ካብ ዓዲሓ ወሲዱ አጀሚሩዎ። ሕሉፍ ካብቶም ኣብተምቤን ናይ መጀመርታ ዝብሃሉተምሀሮ ሓደ እዩ። ይትረፍ ካብ ዓድሓ ከይዶም፤ ኣብ ዓብዪ ዓዲ ኣብታ ከተማ ኮይኑ አኳ ዘይምሃር ብዙሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ሕሉፍ ተማሂሩ። ንሱ ብናይ ባዕሉ ምክንያት ክሳብ ዘቋርፆ ተማሂሩ እዩ። ኣስመላሽ ሓውና እውን እዚ ዕድል እዚ ረኺቡ እዩ። ዮሃንስ ነጋ፤ ኣረጋይ ነጋ፤ ዝብሃሉ ደቂ ሐው ኣቦታትና እውን ነይሮም ዝተምሃሩ። ኣብ ስድራና ብዙሓት ሰባት ክምሃሩ ዝገበረ ኣቦና እዩ። ካብ ኣሕዋቱ ብዝተፈለየ ንትምህርቲ ፍሉይ ትኹረት እዩ ነይርዎ ። ካብ ኩላቶም ኣሕዋትና ብጠቕላልኡ እውን ካፍቱ ኸባቢና ናይ መጀመርታ ኣብ 2ይ ብርኪ፡ ከምኡውን ኮሌጅ ዝበፅሐ ገብረስላሰ እዩ። ብድሕሪኡ ዝመፃእና እቲ መንገዲ ክኢልናዮ፤ ቀፂልናሉ እውን። ስየ መፀ። ኣነ ኣለኹ። ወልደስላሰ ቀፀለ። ፍስሃ ሰዓበ፣ ምሕረተኣብ፡ ተምኒት፡ ናበልና ኩላትና ቀፂልናሉ።

ካብኡ ኣብ ማእኸል ብ1966 ዓ.ም ኣብዮት ዝበሃል መፀ። ሽዑ ካብ ስየ ንላዕሊ ዘለዉ ንኣዲስ ኣበባ፣ ኣነ ኣብ መቐለ፡ ካባይ ንታሕቲ ዘለዉ ኣሕዋትና ድማ ኣብ ዓቢ ዓዲን ዓድሓን ተበተንና ። እዚ ብ1966 ዓ.ም እዩ ዝኸውን ዘሎ። ካብዚ ንነዘ ብትንትን ኢልና እብለካ።

ስድራኹም ብመንግስቲ እንታይ ይሕገዝ ነይሩ ኣብቲ እዋን?

ምንም! ንሕና ሹመት ነይሩና ኣይፈልጥን። ሓረስቶት እዮም ወለድና። ወተሃደራት እውን እዮም ኣብ ፀገም። ዓዲ ተወሪራ እንትትብሃል ተዓጢቖም ይወፍሩ። ይዘምቱ። ዓዲ ሰላም ምስ ኮነ ድማ ይሓርሱ።በቃ!

ድሕሪ “ኣብዮት” ከ ድኣ ናበይ ናበይ ኣበልኩም?

ስየን ገብረስላሰን ኣብ ዩኒቨርስቲ እዮም ነይሮም ኣብቲ እዋን። ኣነ ኣብ መቐለ እየ ነይረ። እቶም ኣናኣሽቲ ኣሕዋትና ኣብ ተምቤን እዮም ነይሮም። ብ 1967 ዓ.ም “ዕድገት በህብረት” እንትፅዋዕ ኣነን ገብረስላሰን ዘሚትና። ሽዑ ስየ ንበረኻ ከይዱ።

ቅድሚ ምዝማትና ብ67 ዓ.ም መጀመርታ ወገን ሰየ ንዓድሓ መፂኡ ነይሩ። ኣርባምንጭ እዩ በፂሑኒ ዕድገት ብህብረት ይከይድ ኣለኹ ኢሉ ስንቂ ሒዙ ከይዱ እዩ። ንዓናን ንቤተሰብናን፡ጎም ጎፋ ዝበሃል ክፍለ ሃገር እዩ በፂሑኒ፡ ብኣዲስ ኣበባ ገይርካ እዩ ዝኽየድ ኢሉ ተሰናቢቱና፤ ንሱ ግን ንአዲስ አበባ ተይኮነስ ንኣስመራ ብኡ ገይሩ እውን ናብ ገድሊ እዩ ከይዱ።

ኣነ ኣብ ትግራይ እየ ዘሚተ ነይረ፡ መጀመርታ ሀገረ ሰላም፡ ቐፂለ ወርቃምባ፤ መጠረሽታ ኣብ ኩሓ እየ ዘሚተ። ገብረስላሰ ኣብ ከፋ ክፍለ ሀገር፤ቦንጋ ዝብሃል ጣቢያ እዩ ዘሚቱ ነይሩ። ዓብ 68 ዓ.ም ኣቋሪፁ መፂኡ፡ ሽዑ ኣን እውን ኣቋሪፀዮ መፂአ።ንተወሰነ ግዘ ምስ ገ/ሥላሰ ኣብ ዓዲሓ ምስ ተቐመጥና፡ 69 ዓ.ም መጀመርታ ዩኒቨርስቲ ተኸፊቱ፡ ገ/ሥላሰውን ቱዘቁዋረፆ ሙህሮ ክቕፅል አዲሰ አበባ ኸይዱ። ኣነ እውን ቁሩብ ፀኒሐ ተኸቲለዮ አዲሰ አበባ ዩኒቨረሲቲ ቀዳማይ ዓመት ኣትየ። ገብረስላሰ ሽዑ ሳልሳይ ዓመት እዩ ዘሎ። ዝተወሰነ ኣዋርሕ ሓቢርና ተማሂርና ኢና ምስ ሓወይ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ፅቡቕ ኣይነበረን። ኣብቱ ሀገር ብዙሓት ውድባት ይንቀሳቐሳ ነይረን። ቱ ዩኒቨርሲቲ ደማይ ዳርጋ ናይ ኩለን ዓውዲ እዩ ነይሩ።

ብዙሓት ንፈልጦም ቤተሰብናን አዕርኽትናን ኣብዙይ ወይ ከዓ ኣፍቱይ ኮይኖም ናዓ ናባና ናበሉ፡ ብፍላይ ንገ/ሥላሰ የሸግሩዎ ነይሮም። ኣብ ልዕሊዙይ በቱእዋን ተምቤን መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ኢድ ህወሓት ስለዝነበረ ምስ ቤተሰብ ርክብ የነበረን፡ ኣነን ገ/ሥላሰን ኣብ አዲስ አበባ፡ ቱ ንኡሽተይ ሓወይ ወ/ሥላሰ ኣብ መቐለ፡ ፍስሃ ደማይ ኣብ ዓቢ ዓዲ ተበቲንና ንቐለብ እውን ፀገም ምስኮነ ገ/ሥላሰ ትምህርቱ ኣቓሪፁ መምህርነት ተቖፂሩ ኣብ መፋርቕ 69 ዓ.ም ንመቐለ መፂኡ፤ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ፊዚክስን ሒሳብን ናመሃረ ምስ ፀንሐ ጥሪ 70 ዓ.ም ተኣሲሩ። ብዙሕ ተይፀንሐ ደማይ ደርጊ ቐቲሉ ሬስኡ ኣብ ጎደና መቐለ ዘርጊሑዎ።

ወላዲኹም እውን ከምዚ ዝበለ ገጢምዎም ነይሩ፤ ማእሰርቲ! ከመይ እዩ?

እወ ልክዕ ኢኻ። ድሕሪ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ገብረስላሰ፤ ኣብ ሓምለ 1971 ዓ.ም ብሓውዜን ገይሩ ናብ ተምቤን ጥሒሱ ዝኣተወ ናይ ደርጊ ሰራዊት ነይሩ። ኣብ ገዛና ምስመፁ ብኣጋጣሚ ንስላሰ ሓምለ ተባሂሉ ዝተዳለወ ድግስ ይረኽቡ እሞ፡ ንወያነ ኢኹም ደጊስኩምዎ ኢሎም ምስ ኣቦይ ይጨቓጨቑ፤ ኣብ ልዕሊዙይ ወለድቲ ስዬ ምስምኻኖም ቱ ገዛና ምስ ሙሉእ ንብረቱ ላምባ ነስኒሶም ኣቃፂሎምዎ። ዝነበራ ከፍቲ ኮብኵቦም ንኣቦይን እነይን እውን ኣሲሮም ናብ ዕዳጋ ኣውፂኦምዎም። እተን ከፍቲ ብሓራጅ ሸይጦምወን። ነኣደይ ቐሩብ ኣዋርሕ ኣብ ዓቢ ዓዲ ምስ ኣሰሩዋ ኣብኡ ገዲፎምዋ ኸይዶም፤ንኣቦይ ግን ናብ መቐለ ሒዞምዎ ደይቦም። ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ኣብ 1972 ዓ.ም ቀቲሎምዎ።

ብዛዕባ መቕተልቲ ኣቦኹም ዝሰማዕኻዮ እንታይ እዩ?

ምስ ሞተ ከምዝሰማዕኹዎ ኣቦይ ምስ ካልኦት እሱራት አብ ሓንቲ መኪና ተዓጕሩን ብወታደራት ተዓጂቡን ካብ ናይ መቐለ ወህኒ ቤት ናብ ዒላላ ገፅ እንትኸይድ ካብ ዓጀብቱ ሓደ ብረት ኣሕዲጉ ብዙሓት ወታደራት ከምዝቐተለሎም፤ ‘ኣነ ሽማግለ እየ፤ ንስኻትኩም ግን ኪዱ ኣምልጡ’ ኢሉ ንቶም ምስኡ ኣፍታ መኪና ተኣሺጎም ዝነበሩ እሱራት እውን ከምልጡ ከምዝሓገዞም፤ ይኹን እምበር ብቕድሚቶም ኬላ ስለዝነበረ ካፍቱ ኬላ ዝወፁ ካልኦት ወታደራት መትረየስ ተኩሶም ንቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ እሱራት ክምዝቐተሉዎምን ንኣቦይ እውን ምስታ ማኪና ደሪቦም ከምዝወቑዑዎን ኣብኡ ከምዝሞተን ሰሚዐ።

ንስኻ ከ መዓዝን ከመይ ኢኻ ተኣሲርካ?

ድሕሪ ናይ ኣቦይ ሞት ኣብ ነሐሰ 72 ዓ.ም ብኢንጅነሪንግ ተመሪቐ። ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ሰሪሐ። ኣብ መስከረም 11/ 75 ዓ.ም ተኣሲረ። ገ/ሥላሰ ምስ ሞተ፤ ቶም ካልኦት ኣሕዋተይውን መብዛሕቶም ተጋዲሎም፤ ንንአስመላሽ፤ ወ/ሥላሰን ፍስሃን ምስከዱ ተምኒት ሓፍተይ ንኣቦና ክትቅልብ ናብ መቐለ መፂኣ ነይራ። ንሱ ምስተቐተለ መምለሲ ኣይነበራን፤ ናብ ተምቤን ምምላስ ስለዘይከኣለት ናባይ መፂኣ። ንሳ 8ይ ተፈቲና ነሓሰ 72 ዓ.ም ንአዲስ አበባ ትትመፅእ ኣነውን ሙህሮ ወዲአ ሥራሕ ስለዝሓዝኩ ኣብ አቃቂ ኣብ ዝርከብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣትያ ሙህሮኣ ቐፂላ፤ክሳብ ኣነ ደማይ ግደይ ዝእሰሩኒውን ከምኡ ኢልና ንቕመጥ ነይርና።

እንታይ ገይርካ እባ ይብሉኻ ተኣሲርካ እናሃለካ? መእሰሪ ምኽንያት?

ኣብ ነሓሰ 1974 ዓ.ም ኸባቢ ኣባል ህወሓት ተባሂሎም ኣብ መቐለ ዝተኣሰሩ ሰባት ነይሮም፤ ትፈልጥዎም ወይ ከዓ ኣባላት እዮም ኢልኩም ትጥርጥርዎም ሰባት ፀውዑ ናተብሃሉ ትትግረፉ፤ ነዓይ ሓዊሱ ንብዙሕ ሰብ ይፅውዑ፤ ብኡ ምኽንያትውን ደርጊ መስከረም 11/75 ንጎሆ ካብ ቢሮይ መፂኦም ናብቱ ደርጊ ጽ/ቤት ተባሂሉ ዝፅዋዕን ኣብ ወሸጢ ቱ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ቤት ማእሰረቲ ይወስደኒ። ኣብኡ ትትበፅሕ ቀዲሞምኒ ካብ አዲስ አበባ ዝተኣሰሩ ዝፈልጦም ሰባት ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ሻዕቢያን ናይ ህወሓትን እሱራት ረኪበ፤ ኣብኡ ሰለስተ ወርሒ ምስ ፀናሕና ደማይ ናብ መቐለ ኣምፂኦም ንሓደ ዓመት ኣሲሮም ገሪፎምና፤ ብድሕሪኡ ኣብ ጥሪ 76 ዓ.ም መሊሶም ናብ አዲስ አበባ አምፂኦምና። ካብ 76 እስካዕ 83 ዘሎ ግዘ ቱ መብዛሕቱ ኣብ ማእከላዊ፤ ቶም ናይ መጠረሽታ ክልተ ዓመታት ደማይ ኣብ ኣለም በቃኝ እየ ኣሕሊፈዮም። ኣብ ሞንጎ ዞም ኸባቢ ትሸዓተ ዓመታት እዚኦም ብዙሕ መከራን መግረፍትን ኣሕሊፍና።

ምስ ቶም መርመርተይ ዝነበረኒ ዋና ክትዕ ደማይ፤ ኣባል ሕወሓት ኢኻ ይብሉኒ ኣነ ደማይ ኣይኮንኩን ይብሎም፤ በቃ እዚኣ እያ ታ ሞገት።

ኣይተኣማመንናን።እቲ ጥቆማ ህወሓት እዩ ዝኾን ዝብል እዩ።እቲ ስድራ እውን ስለዝፈልጥዎ ካብኡ ኣይትሓልፍን ዝብል ግምት እዩ ነይሩወም። ግምት እምበር ምንም መረዳእታ የነበሮምን፤ ኣነውን ዘይኮንኩ ናሃለኹ በትሪ በዚሑኒ ኢለ ዘይኮነ ነገር ክዛረብ ኣይደለኹን። ኣመንካን ኣይኣመንካን ዳደርጊ ካብ ሞት ኣይደሓንን፤ ዘይኮኑ ናሃለዉ ኣባላት ኢና ኢሎም በሕሶት ንብዙሕ ሰባት ለኪሞም ዝሞቱ ሰባት ይርእ ነይረ፤ ብስሩ እውን ዘይኮንካዮ ነገር እየ ምባል ዘይግቡእ ስለዝኾነ ታ ሓቀይ ሒዘ፤ ካሊእ ሰብ እውን ተይለከምኩ ሞት ይሕሸኒ ኢለ ኣብኣ ፀኒዐ ተሪፈ።

ብሓደ ወገን ካሊእ ሰብ ዘበለ፤ ብፍላይ ደማይ ቶም ንሶም ዓበይቲ ዝብሉዎም ናይ ደርጊ ሰበ ሥልጣን ዘበሉ በትሪ ፈሪሖም ዝኾኑዎን ዘይኮኑዎን ትትኣምኑሎም ኣነ እምቢ ትትብሎም ካብ መን በሊፁ እዩ ብዝብል ብኻሊእ ወገን ደማይ ቕድም ኢሉ ካብ ካልኦት አባላት ዝረኸቡዎን ብኮድ ዝተኣሰረን ሰነዳት ስለዝነበሮም ሓቢኡና እዩ እምበር ናተይ ሱም እውን ኣብኡ ይህሉ እዩ ብዝብል ብዙሕ እዮም አሳቕዮምኒ፤ ዓሰርቲኦም ናይ እግረይ ኣጫፍር ኣሙሊቖምዎም፤ ኣእጋረይ ሓሲኾም፤ ማይ ከይሕፀብ ከልኪሎምኒ ነብሰይ በሙሉኡ ብተባይ ተወሪሩ ብደወይ ኣበስቢሶምኒ። ኣነ ናይ ኢንጅነሪንግ ተምሃራይ ናሃለኩ መማህርትና ዝነበሩ እሞ ናብ ሜዳ ዝኸዱ ንንኪሮስ ገሰሰ፤ ገ/ኪሮስ፤ ደብረ ፅዮን፤ ከምኡውን ካብ 9ይ ክፍሊ ጀሚሩ መማህርተይ ዝነበረ ካሳ ታደሰ ዝበሃል ዓርከይ ናፀውዑ ብዛዕበኦም ትፈልጥ ኢካ ናበሉ ብዙህ የጭነቑለይ ነይሮም። 6 ዓመት ዝኣክል ኣብ ማዕከላዊ ትትቕመጥ ከም መመሳኻከሪ እዮም ዝጥቀሙለይ ነይሮም።ዘዝመፀ እስረኛ ንኣሰፋ ትፈልጥዎዶ እዩዝበሃል።ብዛዕባይ ዘይተሓተተ እሱር ኣይነበረን።

መዓዝ ተፈቲሕኻ?

ደርጊ ምስፈረሰ ኢህወደግ ተይኣተወ፤ ግንቦት 19/1983 ዓ.ም ካብ ዓለም በቃ ወፂአ።

ኣፈታትሓኻ እንታይ ይመስል ነይሩ?

እንትጅምር ሰብ ኣይፈተሓንን። መንግስቱ ምስ ሃደመ፤ ንሓደ ሰሙን ዝኾን ተስፋዬ ገብረኪዳን ዝበሃል ጀነራል ፕረዚዳንት ተባሂሉ ተሸይሙ ነይሩ። ኣፍታ ሓንቲ ሰሙን ግን ዝገርም ነገር ሰሪሑ። መንግሰቱ ትትሃድም ኣፍቱ ዓለም በቃኝ ዝበሃል ኣነ ዝነበርኩዎ ብጣዕሚ ፅንኩር ቤት ማእሰርቲ ጥራሕ ብቱ ብ1981 ዓ.ም ዝተፈተነ መፈንቅለ መንግሥቲ ዝተኣሰሩ በዙሓት ጀነራላት ሓዊሰካ በዙሕ ዓይነት ናይ ፖለቲካ እስረኛታት ነይርና። ኣብ ማእከላዊን ኣፍቶም ካልኦት ናይቱ ወህኒ ቤት ክልላትንውን ናይ ኦነግን ካልኦት ፖለቲካ እሱራትን ነይሮም። ተስፋዬ ገ/ኪዳን ምስ ተሾም ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ንኹሎም ፈቲሑ፤ ካብ ትግርኛ ተዛረብቲ ናይ ጀብሃ፤ ሻዕቢያን ህወሓትን ግን ሓደ ሰብ ኣይፈተሐን። ድሕሪ ሰለሰተ መዓልቲ ግንቦት 19 ግን ባዕልና ሰተት ኢልና ወፂእና።

ኣወፃፅኣና ዝገርም እዩ። ተሰሊፍና ኢና ወፂእና። ቶም አፍቶም ካብ ዓለም በቃኝ ወፃኢ ኣብ ዝርከቡ ክልላት ዝነበሩ እሱራት ግንቦት 19 ፋዱስ ከባቢ በብዝቀረቦም ሓፁር ገገዝኦም ከይዶም፤ ዓለም በቃኝ ግን ሓንቲ ንበራ ብመትረየስ ዝተሓጸረት ክቢ ደርቢ እያ፤ ብታ በሪ ተዘይኮይና መዝለሊት የብላን። ኩሎም ቶም ካልኦት እሱራት ምስወፁ ቶም ወታደራት ንብረት ምውራር ጀምሮም፤ ኣፍታ ጥቓ ናይ ዓለም በቃኝ በሪ ደማይ ብዙሕ ንብረት ዝሓዘት ናይ ህብረት ሱቕ ነይራ። ቱ ካሊእ ንብረት ዘሪፎም ምስ ወድኡ፤ ቶም ናትና ሓለውቲ ደማይ ብግዲኦም ታ ህብረት ሱቕ ክዘርፉ ምስደለዩ ነቐደም ናኣና ውፁልና ዝብል ሕቶ የቕርቡልና። ይኹን እምበር በቱ እዋን ተኳሲኡ ዘይፍለጥ ብዙህ ጥይት በብኩርንዑ ይትኮስ ስለዝነበረ፤ ንሰግእሞ መጀመርታ ቱ ቶክሲ ጠጠው ኣብሉዎ ኢልና ምስቶም ኣሕሉቕ ተደራዲርናን ዓጂቦምናን ኢና ካብ ዓለም በቃኝ ከሻዕ ታ ናይ ኦርቢስ ጋራዥ ወፂእና።

ሽዑ ግን እንታይ ፀገምነይሩ፡ቱ ዝበዝሕ እሱር ብፍላይ ደማይ ቶም ካብ ኤርትራ ዝመፁ ምሩኻት ንአዲስ ኣበባ ኣይፈልጡዋን። ብኣንቶኖቭ ተፃዒኖም ብለይቲ ቐድሚ 10 ዓመት ናብ ዓለም በቃኝ ምስኣተዉ ወፂኦም ዘይፈልጡ ሰባት ነይሮምና። ካብ ዓለም በቃኝ ምስወፃእና ዝገጠመና ዓብዪ ፀገም ንዞም ከምዚኦም ዝበሉ ኣሕዋትና ቦታ ምትሓዝ ነይሩ። ወፂእና ኣብቲ ከባቢ ገነት ሆቴል ምስ በፃሕና ሓንቲ ስልኪ ዘለዋ ሓደ እርትራዊ ንዋንኣ ላውንድሪ ንረክብ እሞ ኣነን ሓደ ሰሎሞን ፍቓዱ (ከንሻ) ዝበሃል ኤርትራዊ ዓርከይን ስልኪ ንኸደውለና ንሓቶ፤ ምስ ፈቐደልና ደማይ ንቶም ንኣዲስ ኣበባ ዝፈልጡ ወይ ከዓ ቤተ ሰብ ዝነበሮምን ነናብ ቤተ ሰቦምናደወልና ንዑ ውሰዱዎም ናበልና ምዕዳም ንጅምር። ቱ ዝተረፈን ቱ ብርክት ዝበለ ሰብ ድማ ተጋሩ ናብ ዝበዝሕሉ ናብ ከባቢ ቄርቆስ ወሲድና በጃኩም ኣሕድሩልና እናበልና ናብ ሓደ ገዛ ሓማሓሙሽተ ገለ እናገበርና ኣእትይናዮም። ኩሎም ሰግሲግና ምስወዳእና ኣነን ሰለሞን ኬንሻን ተረፍናሞ፡ ሰለሞን ሓፍቱ ወሲዳቶ። ኣነ ግን ናብ ዝኸዶ ኣይነበረንን። ኣብ ጅቧይ መለለዪ ካርድ፣ መንጃ ፍቃድን ቅሩብ ቅርሽን ነይረናኒ። እቲ መታወቅያ ጊዜ ሓሊፉዎ ኮይኑ እምበር ስእለይ ስለዘለዎ ቅሩብ ከካይድ ነይሩ እዩ። እሞ በዚአን እንታይ ክገብር ይክእል እናበልኩ እናሐሰብኩ እናሃለኩ፤ ሽጋራ ገዚአ ኣብታ ገነት ሆቴል ጥቓ ዝነበረት ሓንቲ ክዩስኪ ተፀጊዐ ደው ይብል። ሽዑ ናይ ደርጊ ሰራዊት በብግንባሩ ፈራሪሱ እሎ። ብጣዕሚ ብዙሕ ወታደር ምስ ዕጥቁን ብረቱን ፈቐዶ ቱ መንገዲ ዓሰስ ይብል ኣሎ፡ ታ ከተማ ትሕቆን እያ ዘላ። ድሮ ጉንበት ዕስራ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እየ ድማ ወፂአ ዘለኩ ናብ ከተማ። ሽዑ ኩሉ ወተሃደር ዝፈልጠኒ፤ዝትኩሰለይ እዩ ዝመስለኒ። ተዋቒዑኒ። ንዕኡ እየ ድማ ኣብታ ክዩስኪ ተጸጊዐ ክሓስብን ክረጋጋዕን ዝፈተንኩ። እዛ ሽጋራ ሒዘ ኮፍ ኢለ ብሓሳብ ተዋሒጠ እናሃለኹ ሓንቲ ሰበይቲ መፂኣ፤‘ኣንታ ኣሰፋ እንዲኻንስኻ’ ኢላትሓተኒ። ገና መልሲ ተይሃብኩዋ ደማ፤ ስም ስድራይን ኣሕዋተይን ምፅዋዕ ትጅምር።‘ኣሰፋ እንዲካ ሓው ስየ’ ትብለኒ። ሽዑ ኣነ ከዳግግ ደልየ፤‘መን ኢኪ ንስኺ’ ኢለ ይሓታ እሞ፤‘ህሪት እየ’ ትብለኒ። አከታቲላውን ኣቡኣ ኣያ ግደይ ሃይለቻኣል፤ ኣሕዋታ ንንተጋዳላይ ተስፋይ ግደይ ትፅውዐለይ። መንነታ ምስኣረጋገፅኩ ኣነውን ይነግራሞ ንሰዓዓም።

ካፍቶም ንብዙሕ ዓመታት ምሳይ ተኣሲሮም ዝነበሩሞ ቀዲሞም ብሓፁር ዘሊሎም ዝወፁ ብዙሓት ኣዕርኽተይ ሃይለማርያም መስፍን፣ የማነ ተሾመ፣ ወለሃወርያት ምሩፅ ዝብሃሉ ስሞም ትፅውዕምኣብ ገዝኣ ከምዘለዉ ምስነገረትኒ፤ ነዓይውን ንገዝኣ ንክኸይድ ትዕድመኒ። ኣነውን እሺ ምስበልኩ ኣፍታ ፊትለፊትና ናብ ትርከብ ናይ ወይዘሮ ህሪት ገዛ ተማሪሕና ኣተና። ሽዑ እግዝኣብሄር ዝልኣኻ እያ ዝመሰለትኒ። ኣብዝሓድሮ ጨኒቑኒ እዩ ነይሩ። እቲ ከተማ እውን ፅቡቕ የለን። ካብኡ እዞም ሰባት እዚኦም ኣዕርኽተይ እዮም። ምስ የማነ ብሓደ ኢና ተማሂርና። ካብ ሃፀይ ዮሃንስ ክሳብ ኮሌጅ ብሓባር ኢና። ወለሃወርያ ወዲ ገፅኪምለስለይ እዩ። ኣብ መሬት ካብ ዘለውኒ ናይ ቐረባ ሰባት እዮም ትፅውዐለይ ዘላ። ክኣምን ኣይክኣልኩን ። ከይደ ምስረኸብኩዎም ዝተሰመዓኒ ሓጎሰ ክገልፆ ዝኽእል ኣይነበረን። ዝብላዕ ዝስተ ተቐሪቡ ፤ ሜስ ከይተረፈ እናሰተዩ እዮም ረኺበዮም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ግንቦት 19 ምሸት እዩ። ተኣኻኺብና ኣብ ሓደ ገዛ ብምርኻብና ንግዚኡ ተሓጉስና፤ ይኹን እምበር ታ ለይቲ ታይ ሒዛ ከምትመፅእ ስለዘይንፈልጥ ፍርሕን ጥርጣረን ነይሩና። ቱ ሰብ ኩሉ ጠበንጃ ዕድግ ስለዝወዓለ ገና ብግዘ ናሃለወ ንሰማይ ብዙሕ ጥይት ይትኮስ ኣምስዩ፤ በዓል ገዝኣ ንወይዘሮ ህሪት እውን ጠበንጃ ስለዝነበሮ ንሕና እውን ቁሩብ ተኩስና ነኸውን ኢና። ምስይስይ ምስ በለ ቴልቪዥን ትንሰምዕ፤ ቱ ጊዜያዊ ፕረዚዳነት ተስፋዬ ገብረኪዳን ተኹሲ ጠጠው ንኸብሉ ንሰራዊቱ ትእዛዝ ከምዘሕለፈ፤ ንቱ ህዝቢውን ከምኡ ብሰላም ንክፅበ ትትላቦ ንሰምዕ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣብ 4፡30 ከባቢ ደማይ ኢህወደግ ናብ አዲስ አበባ ንኽኣቱ ከምዝወሰነ፤ ንቱ ኣብ ከተማ ዘሎ ዕጡቕን ኢሰፓን ደማይ “እዚ ነይረ ከምዚ ነይረ ኢልካ ኣይትስጋእ“ ንዝመልእኽቱ መግለፂ በሬድዩኡ የሕልፍ። ድሕሪ ቱ መግለፂ ቱ ዘሸብረና ዝነበረ ተኩሲ ጠጠው ይብልሞ ንሕናውን ነዕርፍ። ብድሕሪኡ ዘሎ ከምቱ ትፈልጦ እዩ፤ 10፡00 ሰዓት ወጋሕታ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኸባቢ ተኩሲ ተጀመረ፤ ንጎሆ ሓደ ሰዓት ኸባቢ ደማይ ሬድዮ ጣቢያ ሒዞም ተጋደልትና ዜና ዓወት ኣስምዑና፤ ዛለይቲ ከመይ ክትወግሕ እያ ናበልና ክንጭነቕ ዘምሰና ደቂ ዓለም በቃኝ እውን ምስወገሐትሞ ግንቦት 20 ምስአበለት ደድሕሪ ቶም ተጋደልቲ ዓሰስ ምባል ጀመርና።

ብድሕሪኡ ካብ ተጋደልቲ ንንመን ረኺብካ፤ ምስ ኣሕዋትካ ከመይ ተራኺብካ?

ቱ በብኹርንዑ ዝመፀ ጦር ኣብ ሜክሲኮ አደባባይ እዩ ዝእከብ ነይሩ። ኣነ አውን ገፈፍ ናበልኩ ናብኡታት እየ መጀመርታ ንኸድኩ። ብሓደ ወገን ኣሕዋተይ ተረኽብኩ በኻሊእ ወገን ደማይ ቶም ብድሩኡ ፈቐዱኡ ዝሸጎጥኩዎም ናይ ዓለም በቃኝ ኣዐርኹተይ ጉዳይ የሰክፈኒ ስለዝነበረ ብዛዕበኦም ዝነግሮ ሓለቓ ተረኸብኩ ኢለ እየ ዝዘውር ዝነበርኩ። ስዬ ሓሓሊፉ ብሬድዮ ይሰምዖ ስለዝነበርኩ ብህይወት ከምዘሎ ይፈልጥ ነይረ እየ ቶም ንንአስመላሽ፤ ወ/ሥላሰን ፍስሃን ግን በህይወት ምህላዎምውን ርግፀኛ ስለዘይነበርኩ ንሰብ ክሓትትውን ይፈርሕ ነይረ። ከይደ ከይደ ግን ኣፍቱ ሕዚ ናይ ፌደራል ፖሊስ ቢሮ ተሰሪሁሉ ዘሎ ኸባቢ ቶም ኣዘዝቲ ዝዓረፍሉ ቢሮ ዝመስል ነገር ይረክብ፤ ኣጠያይቐውን ሓደ ሓለቓ ይቕበለኒ። ርግፀኛ ኣይኮንኩን ቱ ዝረኽብኩዎ ሰብ ግን ንጀነራል ተኽላይ ወዲ አሸብር ይመስለኒ፤ ብዝኾነ መን ኢኻ ታይ ደሊኻ ምስበለኒ መንነተይን ታ ምስቶም ደቂ ዓለም በቃኝ ኣዕሩኽተይ ትምልከት ጉዳየይን ይነግሮ። ንሱውን ብፍላይ ሓው ስዬ እየ ምስበልኩዎ ቁሩብ ሓተተኒ እሞ ብፒክ ኣፕ መኪና ገይሩ ናፍቱ ጦር ሃይሎች ከባቢ ዘሎ ናይ ምድር ጦር መምሪያ ለአኸኒ። ኣብኡ ን ሓየሎም ዝረኸብኩዎ።

ሓው ስየ እየ ዶ ኢልካዮ ንሓየሎም ሽዑ? ከመይ እባ ነይሩ እቲ ኩነታት?

ሓየሎም ሓያል ዓሶ ሒዛቶ ኣስናኑ እናሕጨምጨመን ናንቀጥቀጠን እየ ረኺበዮ። ንዓይ ምስረኣየ ተላዒሉ “አሰፋ ዲኻ ኣንታ” ኢሉኒ። ተሰዓዒምና። ኣብኣ ኮይኑ እንጀራ ኣምፅኡሉ ኢሉ፤ ጥብሲ በሊዐ። ኣብኣ እናሃለኹውን እታ ጉዳይ ኣረዲእዮ። ርእዩኒ። ኣይንፋለጥን ግን ኣሚኑኒ። ድሓር፤“ሞይትካ እኮ ተባሂልካስ ፀብፃብ በፂሑና ንስየ እውን ነጊርናዮ ኢና።” ኢሉኒ። “ሓው ስየ ሓዊሱ ኣብ ደርግ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ደርጊ ቀቲልዎም እዩ ዝብል ፀብፃብ መፂኡስ ኣሕሊፈ እኮ እየ…” ኢሉ ኩሉ ነጊሩኒ። ክኣምን ኣይከኣለን ብህይወት ምህላወይ። እታ ከይዲ ኩላ ምስነገርክዎ “በል ስልክኻ ሃበኒ እሞ ምስ ስየ ከራኽበካ እየ።” ኢሉኒ ተሰነባቢትና።

ታደለች ሃይለሚካኤል እትብሃል ምሳና ዝነበረትሞ ቅድመና ብተስፋዬ ገ/ኪዳን ግዘ ዝተፈተሐት ዓርክና ዝሃበትኒ ናይ ገዝኣ ስልኪ ቑፅሪ ስለዝነበረኒ ፤ ናታ ስልኪ ሂበዮ ንሓየሎም። ነቶም ዝሰግሰግናዮም ወገናት እውን ብፅብሒቱ ኣኪቡ ኮሜድላ ኣብ ዝበሃል ናይ ደርጊ ናይ ኮማንዶ መዕረፊ ዝነበረ ቦታ ወሲዶምዎም። ንፅባሒቱ ብ8፡00 ሰዓት ደማይ ኣፍታ ዳታደለች ኮፍ ኢለ ትትፅበ ሰዬ ስልኪ ካብ ተምቤን-ሃገረ ሰላም ደዊሉለይ፤ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ድምፁ ብስልኪ ሰሚዐዮ። ኣውጊዕና። ኣሕዋቱ እውን ብህይወት ከምዘለዉን ከምዝረኽቦምን ነጊሩኒ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲታትናብ ኣዲስ ኣባበ መፂኡ። ኣፍታ ዝዓረፈላ ገስት ሀውስ ከይደውነ ምስ ተወልደን መለስን ረኺበዮም፤ ብኣካል ድሐሪ ነዊሕ እዋን!

ንምንታይ እባ ዘይተጋደልካ?

ከምቱ እሽዑ ዝነበረ መብዛሕትኡ መንእሰይ ኣነእውን ብፍላይ ቅድሚ ንአዲስ አበባ ምኻደይ ኽጋደል ይምነ ነይረ። ይኹን እምበር ምስቱ ሰዬ ቀዲሙ ምኻዱ ተተሓሒዞም ብዙሓት ፀገማተ ናኣይ ንድሕሪት ኣትሪፎመኒ። ናይ ስየ ንበረካ ምውፃእ ኣብ ልዕሊ ገዛና ዘሕደሮ ሸከም ክነግረካ ኣይክእልን። ካብኡ ድማ በቲ ከባቢና እውን ይወሳወስ ስለዝነበረ ገና ኣብ 68/69 ጀሚሩ ብዙሕ ፀገማት ይፍጠሩ ነይሮም። ኣብቱ እዋን ስየ ብተምቤን ከባቢ ተራእዩ ተባሂሉስ ንፅባሒታ እዮም ቶም መንግስቲ ታ ገዛና ዝኸቡዋ። ንኣቦይ ወድኹም ኣሲርኩም ኣምፅእዎ ኢሎም የጨንቑሉ ነይሮም።

በዚ ክንድዚ እቲ ገዛና ፅቡቕ ኣይነበረን። ብዙሕ መከራታት ይበፅሖ ነይሩ። ኣቦይ ቅድሚ እዚ ዝፈልጦ ብካልእ እዩ ነይሩ። ተሓጕሱ ወኻዕኻዕ እንትብል እምበር ሓዚኑ ስቑንቁን እንትብል ርእየዮ ኣይፈልጥን። ሽዑ ኣነውን ከይኸይድ ይፈርሕ ስለ ዝነበረ ብግልፂ እዩ ለሚኑኒ። “ሰዬ ስለዝኸደ መንግስቲ ከምዚ ይገብረና ኣሎ። ንስካ ከይትድገም ሓደራካ። ንመን ከ ሂብካኒ ክትከይድ?” ኢሉ ዳርጋ ኣምሒሉ እዩ ቃል ኣእትዩኒ። ስለዚ ስየ ከይዱ ኣሎ። ናተይ ተደሚርካ ምኻድ ኣማራፂ ኣይነበረን። እዚ እቲ ሓደ እዩ።

ካልእ ድማ ኩላትና ሙህሮ ጀሚርና እምበር ሓደ ሥራሕ ዝሓዘን ሓላፍነት ከርከብ ዝኽእልን ምስዘይምንባሩ፤ ኣነ ሰራሕ ሒዘስ ነቶም ኣናእሽቲ ኣሕዋተይ ዶ ምሓገዝኩ ዝብል ጭንቂ ነይሩኒ።

ድሓር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መፃእኩ ግን እቲ መንገዲ እውን አዩ ዘይነበረ። ድሐሪ 70/71 እቲ ናይ ቀይሕ ራዕዲ ስጉምትታት ኣዘሓሒልዎ፤ ካብ አዲስ አበባ ናብ ትግራይ ምግዳል ከቢድ እዩ ነይሩ። በዙሕ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ንደገ እንተዘይኮይኑ ናብ ሜዳ ትግራይ ዝወፅኣሉ ኩነታት ፀቢብ እዩ ነይሩ። ናተይ ከዓ ካብ ኩሉ ብዝገደደ ቱ መንነተይ ዝተቓልዐ ምስምኻኑ ከቢድ እዩ ነይሩ።

ስራሕ ድሐሪ ዓወት ከ?

ከምቲ ዝበልኩካ ቅድሚ ምእሳረይ ሜካኒካል ኢንጅነሪንግ ተማሂረ። 2 ዓመት ሰሪሐ። 9 ዓመት ተኣሲረ። ምስወፃእኩ ከክንዲ ሥራሕ ምምሃር እዩ ነይሩ ድልየተይ። ኢንጅነሪንግ ተማሂርካ 5 ዓመት ተዘይሰሪሕኻሉ ዋጋ ኣይብሉን፤ ስለዚ ካልኣይ ድግሪ ምምሃር እዩ ነይሩ ዕላማይ። ምሳይ ዝነበሩ መሓዙተይ መብዛሕትኦም ቁሩብ ስልጠና ወሲዶም  ናብቲ ናይ ምምሕዳርን ሴኩሪቲ ስራሕን እዮም ኣትዮም። ንሱ ናተይ ፊልድ ኣይነበረን። ድሓር በዓል ኣቦይ ስብሃት ትእምት እንተጣይሹ ናብኡ ዝኣተዉ እውን ነይሮም። ንምጅማር ኣነ እውን ኣብኡ እየ ሥራሕ ጀሚረ።ታ ኸዚ መስፍን ኢንጅነሪነግ ትበሃል ትካል ኣብ ምጥያሽ ተሳቲፈ እለኹ። በቱ እዋን ቱውድብ ኣፍቱ ቓልሲ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ብዙሓት ማሽነሪታት ነይሮመ፤ ካበኣቶም እናመረፅካ፤ ዝጎደሉ ብዕደጋ ኣማሊእኻ ዝተመጣጠነ ወርክሾፕ ምትካል አዩ ነይሩ እቲ ስራሕ። ኣነን ገብረመስቀል ገብሩን ኢና ተመዲብና። ካብቲ ዝነበረ ማሽናት ዝኾነና መሪፅና ዝጎደለ እውን ክንዕድግ ተሰማሚዕና በታ ዝተውሃበትና መምርሒት መሰረት ወርክሽፕ ተኺልና ለካቲት 84 ሥራሕ አጀሚርናያ። ቶም ኣብ ገድሊ ንተን ማሽን ዝጥቀሙለን ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣሰልጢንና ኣደራጂና ኢና አቐሚጥናዮም። ፈላማይ ትካል ድሐሪ ሰላም ክብሃል ዝኽእል ንሱ እዩ።ብድሕሪኡ ኣቦይ ስብሃት ደመወዝ ክንህበካ ኣብኡ ቐፅል ኢሎምኒ ነይሮም፤ ይኹን እምበር ኣነ በቱ እዋን ዋና ድልየተይ ሙህሮ ምስምንባሩ ኣይደለኹን።

እታ ናይ መስፍን ኢንጅነሪንግ ስራሕ ወዲአ ናብ አዲስ አበባ ምስተመለስኩ፤ዶ/ር ካሱ ይላላ ዝበሃሉ ሰብኣይ ደዊሎም ንራኸብ ይብሉኒ። ኣፍቱ እዋን መለስ ፕረዚዳንት፤ ታምራት ደማይ ጠቅላይ ሚ/ር ዝነበሩሉ ናይ ስግግር መንግስቲ እዋን ኮይኑ፤ ዶ/ር ካሱ ከዓ ናይ መለስ መማኸሪ ምኻኖም ብሚድያ ይፈልጥ ነይረ። ካብኡ ዝሓለፈ ፍልጦ ግን የነበረናን። ስለዚ ድማ ደጋጊመ ይሓቶምሞ፤ ብዛዕባ ሥራሕ ንክሓተካ “ ኣቦይ ስብሃት እዩ ደውለሉ ኢሉኒ ” ይብለኒ እሞ ቢሮካ ሓብረኒ ኢለ ናብ ቢሮኡ ይከይድ።

ናይቱ ስግግር መንግስቲ ዓብዪ መደብ እቱ ብጦርነት ዝፈረሰ መንገዲታትን ካልኦት መሠረተ ልምዓትን ናፀገንካ ቱ ኢኮኖሚ ክለዓዓል ምሕጋዝ ምስ ምኻኑ ተን በብቦትኡ ዝነበራ ዝተበላሸዋ ናይ ኮንስትራክሽን ማሽነሪ ናፀገነ ናብ ሥራሕ ዘዋፍረሉ ግብረ ሃይል የጣይሽ ስለዝነበረ ነኣይ እውን ቱ ግብረሃል ክመርሐሉ ከምዝደለየኒ ዶ/ር ካሱ ይነግረኒ።

መጀመርታ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀደማይ ሚኒስትር ምስተደወለለይ ኣብኡ ድኣ ንዓይ ዝኾን ቦታ ከመይ ኢሉ ተረኺቡ ኢለ ገሪሙኒ ነይሩ። ‘ፈሊጥካ ዲካ? ኣነ አኮ ኢንጅነር እየ፤ ኣብ ፋብሪካ ገለ እምበር ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚነስትር ድኣ እንታይ ክገብር?’ ኢለእውን ንዶ/ር ካሱ ሓቲተዮ ነይረ።

ድሓር ግን እቲ ስራሕ ታይ ምዃኑ ምስ ኣረደአኒ በል ሕራይ ኢለዮ ተሰማሚዕና። እታ ስራሕ ናይ 13 ወርሒ እያ። ምስ ወዳእክዋ ናብ ሙህሮ ከምዝሰደኒ እውን ቃል አተወለይ። በዚኣ ተሰማሚዕና ደመወዝን ቢሮይን ተመቻቺዩለይ፤ምስቶም ካልኦት አባላት እቲ ግበረ ሃይል ሥራሕ ጀሚርና። ኣብ ዓመት ወዲእናያ! ናይ ኮንስትራክሽን ወዲእናስ ናይ መጓዓዝያ ናይ ሕርሻ መሳርሕታት እውን ተመላሊእናሎም።

ብድሕሪኡ ናብ ብሪትሽ ካውንስል ኣመልኪተ። ፈተናታት አለዉ ተፈቲነ። ሓሊፈ። ኩሉ ምስ ወዳእኩ እሞ ንለንደን ክኸይድ ምስበልኩዎ ዶ/ር ካሱ ሓሳቡ ቐይሩ ኣይሰድድን ይብለኒ። ንምንታይ እንተበልክዎ ትርእዮ ዶ የለኻን አቲ ስራሕ ይብለኒ። ዋእ እሞ ናተይ ዕድመ እዩ ዝውዳእ እምበር ናይ ኢትዮጵያ ስራሕ ዶ ይውዳእ እዩ ኢለ ምስተኸራኸርኩ ቱ ጉዳይ ናብን ኣይተ ታምራት ቀሪቡ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ወዲአ ክምለስን ካብ ማስተርስ ንላዕሊ ክቕፅል እየ ንኸይብልን ቃል ኣእትዮም ብሽምግልና ፈቒዶምለይ። ዕለት ሓሙስ ተፈቒዱለይ ሰንበት ንዓዲ እንግሊዝ ከይደ። ክልተ ዓመት ክውድእ ዝነበረ ፕሮግራም ብታ ቃል ዝኣተኹሎም መሰረት ብሓንቲ ዓመት ኢንጅነሪንግ ማኔጅመንት ተማሂረ፤ መስከረም 1987 ተመሊሰ መጺአ። ድሐሪ ምህሮይ እውን ሓሙስ ታ መመረቒት ወረቐተይ ኣረኪበ ሰንበት አዲስ አበባ መፂአ፤ ሰኑይ ድማ ስራሕ ጀሚረ።

ምስ ተመለስካ ኣብ ምንታይ ኢኻ ስራሕ ጀሚርካ?

ምስተመለስኩ ብቐጥታ ታምራት እዩ ተቐቢሉኒ። ስራሕ ዝጀመርኩሉ እውን ኣብቱ “የመንግስት ልማት ድርጅቶች ተቆጣጣሪ ባለሥልጣን ፅ/ቤት” ዝበሃል ኣብ ትሕቲ ናይ ጠቅላይ ሚ/ር ቤት ፅሕፈት ዝተጣየሸ መ/ቤት እዩ። ቅድሚኡ ፋሲል ዝብሃል ወዲ ይመርሖ ነይሩ፤ ንሱ ብተርኡ ናብ ሙህሮ ንዓዲ እንግሊዝ ምስኸደ ኣነ ተረኪበዮ። እቱ ስራሕ ብዙሕ ዝፎቶ ስለዘይነበረ ክሻዕ ሰብ ንረክብ ኢሎም እዮም ኣጀሚሮምኒ፤ ይኹን እምበር ሓደ ሽድሽተ ዓመት ዝኾን ኣበኡ ኣገልጊለ።

እቲ ስራሕ ታይ ይመስል ነይሩ?

ቱ ቤት ፅሕፈት ናይ ብዙሓት ዓበይቲ ሥራሕቲ መተሓባበሪ እዩ ነይሩ። ቱ ናይቱ ሀገር ናይ ኢኮኖሚ መሓውር ንምቅያር ዝግበር ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዋና ግብረሃል፤ ኣብ ትሕቲ ቱ ዋና ግብረሃይል ዝተጣየሹ ናይ ስክተር ግብረሃይልታት ኩሎም ንሕና ኢና ነተሓባብሮም። ናይ ባንኪንግን ኢንሹራንስን፤ ቴክስታል፤ ከሚካል፤ ቤዚክ ሜታልን ኢንጅነሪንግን፤ ፐብሊክ ኢንተርፕራዝ ሪፎርም፤ ዝባሃሉ ብዙሓት ሰብሙያ ዝሓዙ ዓበይቲ ግብረሃይልታት ነይሮም። ኣብ ልዕሊዙይ ናይቶም ሓደሽቲ ዝጣየሹ ናይ መንግስቲ ትካላት ቦርድ ምስያምን ምክትታልን፤ ቱ ሓዱሽ ዝተጀመረ ናይ ፕራይቬታይዘሽን ፕሮገራም ምድጋፍን ምክታትልን ዕውን ሥራሕና ነይሩ።

ከመይ ነይሩ ድጋፍ እቲ መሪሕነት ኣብቲ እዋን?

ፅበቕ ነይሩ። በቱ እዋን መለስ ናቱ ናይሽግግር ፓርላማ ኣቦ ወንበር ምስ ምኻኑ ኣፍቱ ፓርላማ እዩ ዝውዕል፤ ናይቱ ሃገር ፕረዚዳንት ምስ ምኻኑውን ናይ ወፃኢ ኣጋይሽን ዲፕሎማትን ዝቕበልን ዝስንን ንሱ እዩ ፤ ከምኡ ኾይኑ ግን ምሸት ምሸት ናይቶም ኩሎም ዓበይቲ ግብረለሃልታት አኼባ ዝመርሖ ንሱ ኢዩ። ንን ታምራት፡ ተወልደ፤ ስዬ፤ ፃድቃን፤ ዶ/ር ካሱ፤ እውን ቀትሪ ቀትሪ ነንባዕሎም ከበድቲ ሥራሕቲ ዝነበሮም ናሃለዉ ኣፍተን ዓበይቲ ናይ ምሸት ኣኸባታት ኣይተርፉን፤ ቱ ቢሮታትና ቀትርን ለይትን ምስ በርሀ ወትራ ሰብ ዘይፍለዮ እዩ ነይሩ። ኩሎም እናመፁ እዮም እቲ ናይ ኢኮኖሚክ ሪፎርም ስርሓትና ዝርእይዎ ነይሮም። ዝተውሃበካ ዕዮ ገዛ ሰሪሕካ ትምፅእ። ተረድእ። ርእይቶ ይውሃበካ። እንደገና ትትልም። ጊዜ ገደብ ይውሃበካ። ትወፍር። ከምኡ እናበለ እዩ ዝከይድ። ንዓና ኮነ ነቶም መራሕቲ መምሃሪ እዩ ነይሩ። ነታ ዓዲ ክፈልጡዋ እውን ገይርዎም እዩ። ቱ ቢሮክራሲውን ክፈልጦም ሓጊዙ ይብል።

እዚ መዓዝ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

እዚ ኣብቲ 1987 እዩ። ቱ ብዙሓት ወድባት ዝሓቖፈ ናይ ስግግር እዋን ናተወደአ፤ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይርካ ምርጫ ብምክያድ ሓዱሽ መንግስቲ ንምምስራት ንረባረበሉ ከቢድ እዋን ነይሩ። ግን እቲ ድሕሪ ምፅዳቕ ሕገ መንግስቲ ዝመፅእ መንግስቲ ናይ ኢህወደግ መንግሰቲ ክኸውን ከምዝእክል ተኣሚኑ እዩ ብጥብቂ ዝስራሕሉ እዋን ነይሩ።

ካብዚ ሥራሕ መዓዝን ከመይን ለቒቕካ ?

ቅድም ኢለ ብመጋቢት 1984 ከመይ ኢለ ካብ መስፍን ኢንጅነሪንግ ናብ ጠቅላይ ሚ/ር ከምዝመፃእኹ ነጊረካ ነይረ።ዶ/ር ካሱ ፀዊዑ፤ ኢንተርቪው ገይሩ፤ ተደራዲርና እዩ ዝቖፀረኒ። ድሕሪ ትሽዓት ዓመት ፀዊዑ ሓው ስዬ ኮይንካ ኣብዙይ ክትሰርሕ ኣይተኽእልን ተባሂልካ ኢኻ ኢሉ መጋቢት19 93 ዘሰናበተኒ ‘ውን ዶ/ር ካሱ እዩ።

ከመይ? እንታይ በልካ፤ እስኪ ኣብረሀለይ ?

መለስ ንንስዬ አጊዱዎም ዝበሃል ወረ እንትሰምዕ ኣይኣመንኩን፤ኣነ ከምኡ ዝከኣል እውን ኣይመስለንን ነይሩ። ተኣጊዶም ምስተብሃለ ድሕሪ ገለ ሰሙናት መለስ ናብ ቢሮ ይመፅእሞ ኣኼባ ተፀዊዕና ናብቲ ናይ ኣኼባ ኣዳራሽ ንኸይድ። ‘ቶም ኣከብቲ ተፈራ ዋልዋን መለስን እዮም፤ ተኣከብቲ ደማይ በቱ እዋን ዝነበርና ሚኒስትራትን ምክትል ሚኒስትራትን ኢና። እቱ መለስ ዘቕረቦ ናይ መጀመርታ መግለፂ ቶም ዝወፁ ወፂኦም ኣለዉ፤ ኢህወደግ ተጠናኺሩ መፂኡ እሎ፤ ደጊም ስራሕኹም ጀምሩ ዝዓይነቱ እዩ። ተፈራ እውን ብዛዕባ ሲቪል ሰርቪስ ሪፎርም ይዛረብ። በቃ እቲ ምፍልላይ ኣጀንዳ ምዃን ተሪፉ ብዛዕባ ስራሕ ዘረባ ተጀሚሩ።እዚ ኩሉ መራሒ ወፂኡስ ተፈራን መለስን ኣዋፊሮምና ክንሰርሕ እዩ እቲ ፈተንኦም።

ሕቶ እለኒ ስማዕኒ ይብሎሞ፤ መለስ። ‘አሀ’ ይብለኒ። ‘እዚ ኩሉ መራሒ ወፂኡስ እቲ ውድብ ከምውድብ ክቕፅል እዩ ዲኻ ትብለኒዘለኻ? ከመይ ገይርካ ክቕፀል? ምንም ዝፍጠር ነገር የለን ዲኻ ትብል ዘለኻ?’ ኢለ ይሓቶ። “ድሓን ድሓን ድሓር ከረድኣካ እየ። ናብ ካልእ ንስገር” ይብል። ኣነ ብድሕሪኡ ተፈራ ዝበሎ ዘሎ ኣይሰምዖን ዘለኹ።

ድሓር እቲ ኣኬባ ተወዲኡ ክንወፅእ እንተለና ወዮ ዳሕራይ ከረድኣካ እየ እንድዩ ኢሉኒ፤ክንወፅእ እንተለና ናብ መለስ ፅግዕ ክብል እንተለኹስ ዓጃቢኡ መፂኡስ ኣብ ማእኸልና ድርግም ይብል። “አ? እንታይ ኢኻ ትገብርዘለኻ?” ይብሎ ነቲ ቆልዓ። እቱ ዓጃቢኡ ሕዚውን ይደፍኣኒ። መለስ ሽዑ ስኽ ኢሉ ይርኢ። በስመ ኣም! “መለስ ንዓኻ ከዋግዓካ ደልየስ ዓጃቢኻ ደፊኡ የባርረኒ ኣሎ። ንስካ ድማ ፈቒድካሉ ስኽ ኢልካ ትርእዮ ኣለኻ” ኢለዮ። ስኽ ኢሉ ኣትዩ ናብ ቢሩኡ።ናተይ ቢሮ ራብዓይ ፎቕ እዩ።ከይደ።

ንፅባሒቱ ዶክተር ካሱ ናብ ቢሩኡ ምስ ፀወዐኒ፤ስራሕ ክትለቅቕ ኣለካ ተባሂሉ እዩሞ ልቐቕ ይብለኒ።እንታይ ገይረ? ምስበልኩዎ ከዓ፤ “ከምቲ ትፈልጦ…” በለ ምስኪናይ እዩ ካሱ። “ከምቲ እትፈልጦ መለስን ስየን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለዉ ንስኻ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ኮይንካ ምስ መለስ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን” ኢሉኒ።

ኣነ ካዓ ‘ ስዬን መለስን እንታይ ኮይኖም ድዮም?’ ኢለዮ።ዶ/ር ካሱ ትትድንግፅን ግራ ትትኣቶን ምስረአኩ፤ እንደገና ‘ ኣነ እኮ ዝፈልጦ ነገር የብለይን ኢለዮ‘ ተፈለጥኩኸ ክልቲኦም ዝኾኑ እንተኾኑ ኣነ እንታይ ገባሪ እየ? ይብሎ።

‘ኣሃ! ኣታቅም እንዴ ኣንተ?” ይብለኒ እሞ ምንም ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ደጊመ ይነግሮ።ድሓር እንድሕር ከምዚ ኮይኑእማ ኣነ ዘይኮንኩ ዝነግረካስ ምስ መለስ እየ ዘራኸበካ ይብለኒ እሞ ኣነውን ፅቡቕ ይብሎ። ሳሙኤል ነይሩ ሽዑ ናይ መለስ ፀሓፊ።‘ ንኣሰፋ ምስ መለስ ከራኽቦ ደልየስ ቆፀራ ሓዘለይ‘ ይብሎ እሞ ሕራይ ይብል። ኣነ ሽዑ መለስ ከምዘይረኽበኒ ይፍለጠኒ ኣሎ እዩ።ደፊኡኒ እንድዩ ኸይዱ ቅድሚ ሕዚ።ስለዚ ዶክተር ካሱ ተፀብዩ ናይ መለስ መልሲ ይፈልጥ። “ኣላገኘውም!” እዩ ነይሩ መልሲ መለስ።ሽዑ ዶክተር ካሱ ደንጊፁ።ኣይተፀበዮን።ሽዑ ብሚኒስትር መዓርግ ናይ ፐብሊክ እንተርራይዝ ሓላፊ እየ ዘለኹ።

ሽዑ ካሱ ይጨንቆ እሞ “በቃ ድሓን ኣሰፋ! ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ንስካ ገዛኻ ፅናሕ እሞ ኣነ ባዕለይ ስራሕ ክደልየልካ እየ።” ይብለኒ። ሽዑ ኣነ ዋእ ኢለ…

“ኣንታ ካሱ! ንስካ እኮ ናብዛ ቦታ እዚኣ ከመይ ገይርካ ከም ዘምፃእካኒ ትፈልጥኢኻ።ምሳኻ ተዘራሪበ እየ ኣትየ፤ ብስየ ኣይኮነን። እንጀራ ስኢነ ጠምየ እውን ኣይረኸብካንን።ዓዲ ሰላም ኮይና ፆመይ ከምዘይሓድር እውን ይፈልጥ ነይረ እየ። ኮሚደረ ሸይጠ ፆመይ እውን ኣይሓድርን። ጥራይ ሕዚ ተረከበኒ።” እብሎ።ድሓር ንሱ እቲ ኩነታት ከመይከምዝኾነ ከረድኣኒ ይፍትን።

“ስማዕ ! ሓው ስየ ምዃነይ እንድዩ እቲ ፀገም.. ሓው ስየ ኮይንካስ ምስ መለስ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ። እዚኣ እያ እታ ዘረባ። እታ ተሕዝነኒ ክነግረካ።” ኢለዮ…. “ደርጊ 9 ዓመት ኣሲሮምኒ እዮም። እዚ ኩሉ ዓመት ብዙሕ ሕቶ ሓቲቶምኒ።እተን ዘይከሓድክወን ወዲ ኣብርሃ ምዃነይን ሓው ስየ ምዃነይን እየን። ብምዃን ድማ 9 ዓመት ሓው ስየ ብምዃነይ ጥራይ ኣሲሩኒ።” ኢለዮ። “ድሕሪ ዓወት ድማ ዓዲ ሰላም እዩ ኢለ 10 ዓመት ምሳኹም ሰሪሐ። ሕዚ ድሕሪ 10 ዓመት እውን ከምታ ናይ ደርጊ ሓው ስየ ስለ ዝኾንካ ኢልካ ኢኻ ተባርረኒ ዘለኻ። ትሕሹ ኢለ ገሚተ ለካ ሓደ ኢኹም፤ ምስደርጊ።” ኢለዮ ንካሱ። “ኣበዙይ ምሰኻ 10 ዓመት ትትሰርሕ ፀጊበ፤ መችዩኒ ከይመስለካ፤ ደቂሰውን ኣይፈልጥን፤ ሓንቲ ማዓልቲ እኳ ዕረፍቲ ወሲደ ከምዘይፈልጥ ኣይጠፍኣካን። ግን ደስ ኢሉኒ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ይሕግዝ ኣለኹ፤ ቱ ዝሰርሖ ነቱ ዓደይ ነቱ ህዝብና ረብሓ ኣለዎ ኢለ ስለ ዝኣምን። ግን ሕዚ እውን ሓው ስየ ብምዃነይ እባረር ኣለኹ። ስለዚ ካልእ ኣይደልን ስኽ ኢልካ ተረከበኒ።” ይብሎ እሞ ዶክተር ካሱ ይስንብድ። ንብዓቱውን ስርቕርቕ ይብልሞ ገዲፈዮ ይወፅእ፤ ኣብ 30 ደቒቓ ኣብ ቢሮይ ዝነበራ ዶክመንተይን መፅሓፍተይን ሒዘ ወጺአ።በቃ አይተመለስኩን።

ናብ ትእምት እሞ ንመለስ፤ እቲ ምስ ምጥያሹ ተኣሳሲሩ እትዝክሮ እንታይ ኣሎ?

ከምቱ ቅድም ኢለ ዝገለፅኩዎ ህወሓት እቱ ብረታዊ ቓልሲ ብዓወት ዛዚሙ ዓዲ ትትአቱ ብዙሕ ንብረት ነይሩዎ እዩ። ናይ መጉዓዚያ መኻይን፤ ናይ ኮንስተራክሽን ማሽነሪታት፤ ናይ ዎረክሾፕን ኢንጅነሪንግን ናወቲ፤ በዓብዩ ደማይ ናይ ደርጊ ሰራዊት ደምሲሱ ንቱ ሓዱሽ መንግስቲ ዘቐመ ሙሉእ ወታደራዊ ሓይልን ዕጥቅን ዝነበሮ ሃፍታምን ሓያልን ውድብ እዩ ኔሩ። ዝተወሰነ ቅርሺውን ነይርዎም እዩ።

ክንዲዙይ ዝኣክል ንብረትን ሓይልን ሒዙ ምእታዉ ብዙሕ ዘብርቕ ኣይነበረን፤ ንዞም ጎረበትና ሻዕቢያ ሓዊስካ ብዙሓት ናይ ካልኦት ሃገራት ተጋደልቲ እውን በዓወት ትትኣቱ ከክዓቕሞም ሒዞም ይኣቱ እዮም።ናይ ህወሓት ፍሉይ ዝገብሮን፤ ብፍላይ ኣነ ከሻዕ ሎሞ ብፍሉይ ብኣድናቖት ዝዝክሮን፤ ቶም ንብረት እዚኦም ብዝምልከት ዝወሰኖን ዝተግበሮን ፖሊሲ እዩ። ቱ ዕጥቂን ወታደራዊ ናውትን፤ ቱ ሕዚ 6 ፐርሰንት ናተብሃለ ዝሕጨጨሉ ዘሎ ተጋዳላይ ህወሓትን ህዘቢ ትግራይን ብደሙ ወይከዓ ብቕርሹ ዘጥረዮ ንብረቱ ናሃለወ ነቶም 94 ፐርሰንት ዝኾኑ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ዘጣየሾ ናይ ስግግር መንግስትን ህዝቢን መሐለዊ ንክኸውን እዩ ዘሀገሮ። ኣፍቱ ስግግር መንግሰቲ ንንኦነግ ዝኣምሰሉ ዕጥቂን ሰራዊትን ዝነበሮም ውድባት ነይሮም እዮም፤ ይኹን እምበር ሓንቲ ብረት ኣየህገሩን፤ እኳድኣስ ሓቢኦም ፀኒሖም ዳኣ ብኡ መሊሶም ወግኡና። ህወሓት ቱ ካልእ ንብረቱ እውን በቱ እዋን ሓኒቖም ሒዞምና ንዝነበሩ ናይ ኮንሰትራክሽን፤ መጉዓዝያን ንግዲ ግልጋሎት ኣብ ምሽፋን ብፍላይ ኣፍቱ ማንም ነጋዳይን ኮንትራክተርን ንትግራይ ገፅ ድልፅ ዘይብለሉ ዝነበረ ናይ ስግግር ዓመታት ፍሉይ ግደ እዩ አወፊዩሎም። ተን ኣብ ኢዶም ዝነበራ ውሱናት ቅርሺ እውን ኣፍቱ ዘላቒ ናይቱ ህዝብን ክልልን ልምዓት ሰትራተጂካዊ ግደ ክፃወታ ዝኽእላ ናይ ጨርቂ፤ ስሚንቶን መድሃኒትን ፋብሪካታት አፍሲሱወን። እቱ አጠቃላሊ ፕላን እዙይ ኮይኑ አብ እፈፃፅማ ገለ ዓንቀፍቀፍ፤ ምስኡውን ምድኑጋይ ነይሩ። ቱ ዋና ፀገም ንቱ ዕማም ዝምጥን ናይ ሓይሊ ሰብ፤ ተሞክሮን አመራርሓን ዘይምህላው እዩ ዝመስለኒ፤ ብኡ ምኽንያትውን እዩ ዋላ ኣብ መንግሥቲ ይኩን ኣብ ውልቀ ናሰራሕና መብዛሕትና ንትእምት ንሕግዝ ዝነበርና።

ስዬ ናብ ትእምት እትመፅእ ኣበይ ነይረካ፤ ካብ መከላከያ ስለምንታይ እዩ ዝወፀ ?

ከምቱ ቅድም ዝገለፅኩዎ ቱ ናይ ትእምት ሥራሕቲ ብዙሕ ሰብ፤ ብፍላይ ቱ ተጋዳላይ ብተስፋን ብሃነቆውታን ውፅኢት ዝፅበይሉ ወፍሪ እዩ ነይሩ። ዋላእኩዋ ቱ ሥራሕ ብቐረባ ዝከታተሎ ስብሓት ይኩንእምበር ኩሎም ቶም መራሕቲ ዝጭነቑሉን ዝከታተሉዎን ጉዳይ እዩ ነይሩ። ገና ቱ ሥራሕ ትትጅመር ብዙሕ ዝተወረየሉን፤ ናይ ትግራይ ድኽነት በሓደ ግዘ ዝፈትሕ ገይርካ ናይምውሳድ ዝተጋነነ ተፅቢት ምስምንባሩ ቶም ፕሮጀክታት ብጣዕሚ ዝደንጎዩ መሲሎም ይረአዩ ነይሮም። ስየ ካብ መከላክያ ናብ ትእምት ንኽመፅእ ዘገደዶውን ዙ ምስቱ ናይቶም ፕሮጀክታት ምድንጋይ ዝመፀ ፍራስተሬሽንን ጭንቅን ይመስለኒ።

ካብ መከላከያ ለቒቑ ናብ ትእምት ንኽዛወር ከምዝደሊ ዝነገረኒ ብ 86 ዓ.ም ኣብ ለንደን ናሃለኹእዩ፤ ቱ መበገሲ ምክንያት ቱ ዝገለፅኩዎ ኮይኑ፤ ንሱ በምኻዱ ንቱ ኣመራርሓ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾኖ ንባዕሉ ደማይ ካብ ናይ ሰብሳብ ሥራሕ ናገምገምካን ናተጨነቕካን ምንባር አፍቱ ሥራሕ ኣትዩ ዝኽእሎ ተወፈየ ከምዝሐሾ እዩ። ከምቱ ዝበሎውን ቱ ስግግር ተወዲኡ ናይ ኢህወደግ መንግስቲ በ88 ዓ.ም ትትጣየሽ ስየ ጠቕሊሉ ናብ ትእምት ተዛዊሩ።

ሎሚኸ ምስ ተእምት ርክብ ኣሎካ ዶ? ኩነታቱኸ ከመይ ትሪኦ?

ከም ማንም ዜጋ ብደገ ዝዕዘቦን ዝሰምዖን ተዘይኮይኑ ምንም ዓይነት ቀጥታዊ ርክብ የብለይን። ብርሑቕ በዝሪኦ ግን ካፍቱ ዝተጣየሸሉ መሰረታዊ ዒላማ ዝወፀ ይመስለኒ። ከምቱ ቅድም ኢለ ዝገለፅኩዎ ትእምት ከም ትእምት ብፍላይ ከዓ ተን ሕድሕድ ትካላት ትትጣየሻ ቀንዲ ዕላመአን ትርፊ ኣይነበረን። ተን ከምን ጉናን ትራንስ ኢትዮጵያን ዝመስላ ናይ ግልጋሎት ወሃብቲ ቱ ንሰን ዝህበኦ ዘለዋ ግልጋሎት ኣፍቱ ዝተጣየሻሉ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ከቕርብ ዝኽእል ካሊእ ናይ ግሊ ይኩን ናይ መንግስቲ ትካል ስለዘይነበረ፤ ነቱ ክፍተት ክሽፍና እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ዋላ ብዙሓት ውልቀ ሰብ ሃብቲ ክሰርሑዎ ናኻኣሉ፤ ዘን ትካላት እዚአን ሕዚውን ቦታ ዓፅየን ምቕማጠን ግቡእ ኣይመስለንን። ካብኡ ሓሊፉ ቶም ካልኦት ናይ ኢህወደግ ኣባል ውድባትውን ፈለግ ህወሓት ተኸቲሎም ከምአን ዝበላ ትካላት ስለዘጣየሹ ናይቱ ውድብ ሱምን ክብርን ኣብ ምንሻው ገፊሕ ተራ ይፃወታ ይርከባ። ናይተን ካልኦት ናይ ማኑፋክቸሪንግ ትካላት ዋና ዕላማውን ልምዓታዊ ወይ ከዓ existential እዩ እምበር ኮመርሻል ኣይነበረን። አልሜዳ ኣብ አልሜዳ ስለዝተተኸለ ጥራሕ ነቱ ኣፍቱ ከባቢ ህዝቢ ዝህቦ ረብሓ እሎ፤ ዙ ረብሓ እዙይ ቱ ፋብሪካ ትእምት ይወንኑ ካሊእ ዝልወጥ ኣይኮነን። ትእምት ንአልሜዳ ሸይጡ ካልእ ፋብሪካ ኣብ ሐውዜን ተትኸፍት ቶም ረብሓታት ናብ ሐውዜን እውን ምተራብሑ። በዙ መንገዲ እዙይ ተን ጉዋና ዘይፈልጠን ዝነበረ ከም አልሜዳ ዘኣምሰላ ብዙሓት ጣቢያታት ፋብሪካ መባሕናለን፣ በቱ ኸዚ ዘሎ ኣካይዳ ግን ኣፍተን መጀመርታ ብዝኾነ ዕድል ወይከዓ ኣጋጣሚ ዝተተኸላ ፋብሪካታት ተቸኪሎም ዝተረፉ ይመስሉ።

ቱ ካልኣይ ተዕዝብቲ ቱ ናይተን ትካላት ሕጋዊ ቑመና ካብ አክስዮን ማሕበር ናብ Plc ምቕያሩ እዩ። ቶም ክልተ ቕርፂታት እዚኦም ብፍላይ ብዓይኒ disclosure ወይ ካዓ ግልፅነትን ተጠያቕነትን ገፊሕ ኣፈላላይ ኣለዎም፤ ብኡ ምኽንያትውን እዩ መጀመርታ ትትጣየሻ ብአክስዮን ማሕበር ዝተጣየሻ። ሕዚ ተን ትካላት ናይ ህዝቢ ምስምኻነን ዝደለየ ሰብ ብእንቲ መረዳእታ አገዲዱውን ተኾነ ክረክብ ናብ አክሰዮን ማሕበር ተትቕየራ ይመክር።

ናብቲ ድሕሪ ናይ 1993 ዓ.ም ክፍፍል ዝመፀ ሓዞ ስደዶ ንምፃእ እሞ ናታትኩም ኣተኣሳስራ ከመይ እዩ ነይሩ? ኣብተን ሓቅታት እናልዓልና ድማ ንፃወት እስኪ?

ቱ ናይ 93ን ሓዞ ስደዶ ብዝብል ዝገለፅካዮ ጉዳይ ብጣዕሚ ዓብዪ ብምኻኑ ኣብ ከምዙይ ዝበለ ሓፂር ወግዒ ክሽፈን ዝኽእል ኣይኮነን። ይኹንምበር ምስቱ ሕዚ ዝነፍስ ዘሎ ፖለቲካዊ ንፋስውን ዝራኸብን ብፍላይ ደማይ ነቱ ኸዚ ታውድብን ቱ መንግሰትን ተዋሒጦምዎ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሕሾትን ሸፈጥን ዓዘቕቲ ዋና መበገሲኡ እሽዑን ንሱን እዩ ኢለ ስለዝኣምን ነቱ ዘለናዮ ኩነታት ንምርዳእ ብዝሕግዝ መገዲ ኣሕፅር ኣሕፅር ኣቢልና ንርኣዮ ።

እቲ ክፍፍል ባዕሉን ናብኡ ዘብፅሑ ክትዓትን ታይ ነይሮም ተይልካኒ ኣብኡ ስለዘይነበርኩ ወይከዓ ቶም ዝነበሩ ሰባት ዕሊ ብዘለዎ መገዲ ጠሚሮም ዘቕረቡልና ነገር ስለዘየለ፤ ቱ ድሕሪ ቱ ኽፍፍል በብወገኖም ዝተዛረቡዎን ዝፀሓፉዎን ኣጋጪየ ዝፈጠርኩዎ ስእሊ እየ ክነግረካ ዝኽእል። ብፍላይ ካፍቶም ምሳይ ዝተኣሰሩ ኣሕዋተይ ውሽጢ ብዘይካ ስዬ ኣፍቱ ኣኬባ ዝተሳተፈን ዝፈልጥን ኣይነበረናን። ወ/ሥላሰን ፍስሃን ተጋደልቲ እዮም፤ ካብ ኣዲስ አበባ ወፃኢ ቱ ሓደ ኣብ ሰራዊት ኣብ ግንባር ቱ ካልኣይ ደማይ ኣብ ደጀን ኣብ መቐለ እዮም ነይሮም። አስመላሽ እውን ተጋዳላይ እዩ ይኹን እምበር ቅድምኢሉ ብዕድመ ተሰናቢቱ ብውልቁ እዩ ዝመሓደር ነይሩ። ተምኒት ተጋዳሊት እውን ኣይኮነትን፤ ኣብ አዲስ ኣበባ ፋርማሲስት ኮይና ብውልቃ እያ ትመሓደር ነይራ። ምሕረተአብ ኣብ ትግራይ ቢራ ይነግድ ነይሩ፤ ምስቱ ኣኼባ ዘራኽቦን ብዛዕብኡ ዝፈልጦን ኣይነበረን።ኣነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እየ ዝሰርሕ ነይረ ምስ መለስ። ግን ክትዕ ይካየድ ከምዘሎ እየ ዝፈልጥ እምበር ብዛዕባ ቱ ዝርዝርተሕዝቶ ኮነ ናይቶም ተኻታዕቲ መንነት ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። መለስ ኣብቱ ኣኼባ ውዒሉ ወይ ከዓ ቀንዩ ሓሓሊፉ ናብ ቢሮ ስለዝመመፅእ ኮፍ ኢልና ንፅበዮ። ስራሕ ብዝምልከት ዝዳለኩዎ አጀንዳ ሒዘ እየ ዝፅበዮን ዝሓቶን። ንሱውን ገሊአን ይምልሰለይ ገሊአን ይፅንሓ ይብለኒ። ካብዙይ ዝሓለፈ፤ ቱ ኣኼባ ብጣዕሚ ብምንውሑን ብዙሕ ሥራሕ ስለዝተወዘፈኒ፤ መዓዝ ከምዝውዳእ ብተደጋጋሚ ይሓቶ ነይረ፤ ናቱ መልሲውን ቀሪብና ኢና እያ። እንታይ እባ ትብሃሃሉ ኣለኹም ኢለ ግን ሓቲተዮ ኣይፈልጥን። ብስሩ ኤቲካል እውን ኣይኮነን። ስለዚ ብዛዕባ ትሕዝቶ እቶም ውዕሎታት ኣይነዋግዕን። ዋላ ንሱ ካብ ስራሕ ወፃኢ ኣውጊዑኒ ኣይፈልጥን።

ምስ ስዬ ዝነበረና ርክብ ካብቱ ናይ መለስ ፍልይ ዝበለ እዩ። ስዬ መብዛሕኡ መቐለ ስለዝኮነ፤ ከምኡውን ብስራሕ ስለዘይንራከብ ንማሕበራዊ ወግዒውን ብዙሕ ዕድል ኣይነበረናን። ስየ ብባህሪኡውን ብዛዕባ ወዕሎኡ ምስ ቤተሰብ ዘውግዕ ኣይኮነን፤ ንሕናውን ኣይንሓቶን።

ምልክታት ምፍልላይ ኣይነበሩን ካብ 1991 ዓ.ምጀሚሩ?

ስየ ናብ ትእምት ምስተዛወረ እሞ ናብርኡውን መብዛሕትኡ መቐለ ካብዝኸውን ካብ 88 ዓ.ም.ጀሚሩ ምስ መለስ ዝራኸብሉ ዕድልውን ነኪዩ እዩ፤ ከምቱ ቐደም መዓልቲ መዓልቲ አይራኸቡን። በዚ ምክንያት ተዘይኮይኑ ብካሊእ ፖለቲካዊ ምክንያት ዝተፈጠረ አፈላላይን ክፍፍልን ኣይፈልጥን ነይረ። ሓሓሊፉ ብፍላይ ቶም ኣኼባታት ምስ በዝሑ፤ ንቶም ኣኬባታት ብዝመስል ሓደ ሓደ ሪፖርታት ኣዳልዉ ንበሃል ስለዝነበርና፤ ተመሳሰልቲ ኣኼባታት ብፍላይ ኣፍቶም ሰራዊት ይካየዱ ምስ ምንባሮም፤ ቱ አጀንዳ ገፊሕ ከምዝኮን ንግምት ነይርና፤ መወዳእትኡ ግን ሕማቕ ከምዘይኸውን እኳድኣስ ንነዊሕ እዋን ዘኽይደና ምርድዳእን መርሃ ግብርን ሒዞም ከምዝመፁ ኢና ንፅበ ነይርና። ተሰማሚዖም ሓደ ፅቡቕ ነገር ሒዞም ከምዝወፁ እምበር ከምዚ ክፈናጨሉ ኣይንሓስብን ነይርና።

ስየ ናብ ትእምት ምስ ምምፃእ ተኣሳሲሩ ኣብ ሞንጎ ኣቦይ ስብሓትን ስየን ዶ ምጉናፃት ተፈጢሩ ይኸውን ውይ ይነብር?

ኣነ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ከምቱ ዓንተዎ ዝነገርኩኻ ቅድሚ ስዬ ይኹን ድሕሪ ስዬ ናብ ትእምት ምምፅኡ፤ ምስ ስብሓት ንራኸብ ነይርና ኢና፤ ናብ ትእምት ብዙሕ ግዘ ይመላለስ ነይረ፤ ይኩን እምበር ናፍቱ ደሓር ዝረአናዮ ክፍፍል ዘብፅሕ ዝመስል ነገር ኣይዝክርን።

እሺ ድሕሪ እቲ ክፍፍል ከ ዳኣ እቲ ኣፈላላይ ታይ ምዃኑ ተዓዚብካ ?

በዚ ሕዚ ኩሉ ሰብ ስለዝሰምዖ፤ ብፍላይ ደማይ ሰዬ ኣፍቱ መፅሓፉ ብዝርዘር ስለዘቐመጦ፤ ኣነውን ክደግሞ ዘድሊ ኣይመስለንን። ከምቱ ኣነ ዝተዓዘብኩዎ ግን ንቱ ክፍፍል ምክንያት ዝኾነ ዋና ጉዳይ ቱ ጦርነት ተይኮነስ ቅድም ኢሉ ኣፍቶም መራሕቲ ተፈጢሩ ዝፀንሐ ናይ ናብራ፤ ኣተሓሳስባን ማሕበራዊ ርክብን አፈላላይ ዝፈጠሮ እየ ገይረ ዝርደኦ። ቀደሙ ብስሩ ህወሓት ንደርጊ ስዒሩ አዲስ አበባ ትትኣቱ እዙይ እዩ ዝበሃል ሙሉእን ስሙርን ኣተሓሳስባ ዝጠመሮ ፕላን ይኩን ፖሊሲን ሰትራጂን ኣይነበሮን። ነይሩዎ ተተባሂሉ ወታደራዊ ፕላንን ሰትራትጂን ጥራሕ እዩ። ቶም ብዘዕባ ቱ ክሃንፁዎ ዝደልዩ ኢኮኖሚ ዝዛረቡ ሰነዳቶም ግዘ ዝሰዓሮምን ብቱ ስልጣን ዝሓዙሉ እዋን ክትግበሩ ዘይኽእሉን እዮም ነይሮም። ከምኡ ናበልካ ሓደ ብሓደ ተፈቲሽካዮም ብዛዕባ ቱ ክሃንፁዎ ዝደልዩ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ሥርዓትውን ዝተማለአን ኩሉ ዝተረዳደአሉን ፖሊሲ የነበሮምን። እዙይ ኣብዘይብሉ ግን መንግስቲ አጣይሾም ዓዲ ምምራሕ ጀሚሮም፤ ካፍቱ ናይ በረኻ በዓልቲ ወፂኦም ገወኦም ናብ ቤተመንግሰቲ ኣትዮም፤ ምስ ናይ ዓለም መራሕትን ትካላትን እውን ናተራኸቡ ብዛዕባ ኢኮኖሚን ዓለም-ለከ ዲፕሎማሲን ምዝርራብን ምውዕዓልን ጀሚሮም። ሓደ ኽፋል ናይቱ መሪሕነት በዙ ናተይ ትብሎ ፖሊሲ ይኹን ቅዋም ተይሓዝካ ምስ ዝረኸብካዮ ናመሰልካን ናተዓዳደግካን ምኻድ ነዊሕ ርሕቐት ከይዱ ቱ ናብራን ኣካይዳን እውን ተላሚዱዎ፤ ቱ ኻልኣይ ክፋል ግን ካበዙይ ፈንተት ኢሉ ግን ደማይ ታዓዲ ይኹን ቱመንግሰቲ ብቱ ንሱ መርሃ ግብሪ ወይካዓ ዕላማታተይ ኢሉ ዘቐመጦም ትምራሕ ዘላ ናመሰሎ ዝነብር ዝነበረ እዩ። ቱ ኩናት መፂኡ ታይ ንግበር፤ ከመይ ንምራሓዮ ትትበሃል ዝተፈላለዩውን በዚ ምክንያት እዩ። ቱ ሓደ ክፋል ምስቶም ኣብ ዕዳጋ ዝራኸቦም ፈረንጂ ብዛዕባ መትከልን ዕላማን ተይተገደሰ ተመሳሲሉ ምንባር ለሚዱዎ እዩ፤ ዓሰርተ ዓመት ሙሉእ ሃገርን ኢኮኖሚን ትትመርሕ ቱ IMF ዘቐመጦ መምርሒ ብዛዕባ ምፍፃም እምበር ብዛዕባ ናይ ወድብ ዕላማ ይኩን መርሃ ግብር ተላዒሉ ኣይፈልጥን፤ ቱ ናይ ሻዕቢያ ኩናት ምስ መፀውን ነዙ ክፋል እዙይ ዘገደሶ አመሪካ ታይ በሉ፤ IMF ወይ ካዓ ዓለም ባንኪኸ?እዩ ነይሩ። ናፍቱ ውግእ ትትኣቱውን ኣቐዲሞም ዝተኣማመኑሉ ዕላማ ስለዘይነበሮም፤ ብስሩውን 10 ዓመት ሙሉእ በበይኖም ስለዝነበሩ እዮም፤ ኣብ ማእኸል ውግእ፤ ኣብ ማእኸል ኣኸባ ናብ PERSPECTIVE ኣለሻ ዝኣተዉ።

ቱ ዋና ጉዳይ እዙይ እዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ዝመፀ ፅሑፍን ድርሰትን ነቱ ዝተተግበረ ቕዋምን ዝተፈጸመ ጌጋን ንምሽፋንን ንምድንጋርን ዝመፀ እዩ። መጠረሻ ድምፂ ተዋሂቡ ምክክፋል ትትፍጠርውን ቱ ቀዳማይ ክፋል ዘተኣሳሰሮ ዋና ገመድ ኣታሓሳስባ ወይከዓ ኣይዶሎጂ ተይኮነስ ማሕራዊ ገመድን ጥቕምን እዩ። ናይዙ ውድብ እዙይ ኩነታት ዝተቐየረን ዘብቀዐን ዝመስለኒ መራሕቲ ቱ ውድብ ካብ መትከል ወፃኢ ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናን ውልቀ ረብሓን ተደሪኺም ድምፂ ኣብ ዝሃቡላ መዓልቲ እዩ።

መጋቢት 93 ካብ ሥራሕ ለቒቕካ፤ ካብኡኸ መዓዝን ከመይን ተኣሲርካ ?

መጋቢት 93 ሥራሕ ምስለቐቕኩ ናብ ክልተ ወርሒ ዝኾን ፀኒሐ፤ ካብ ዓለም በቃኝ ምስወፃእኹ ኣብ 10 ዓመትይ ግንቦት 21/1993 ተኣሲር፤ ናፍታ ዝፈልጣን ብደርጊ 6 ዓመት ዝተኣሰርኩላን ማእከላዊ ተመሊሰ ኣትየ።

ቅድሚ ስራሕ ምልቃቐይ ጀሚሩ ክኣስሩና ከምዝደልዩ ዝሕብሩ ምልክታት፤ ንዕኡ ባይታ ንምፍጣር ተባሂሉ በብቦትኡ ዝንዛሕ ናይ መፀለምታ ነፍሒ፤ ብፍላይ ናዓይ ደማይ ዓዲ ለቒቐ ንክኸድ ዘፈራርሑን ገወኦም ደማይ ኣይዞኻ ምስወፃእኻ ከምዙይ ክንገብረልካ ኢና ዝዓይነቱ መተባብዒ ዝህቡኒ ነይሮም። ይኹን እምበር ምንም ዘይገበርኩን ዘይበደልኩን ምስ ምዃነይ ብዙሕ ኣይተገደስኩን። ብፍላይ ንንጀነራል ፃድቃን ካብ ሥራሕ ምሰተኣገዱን ክንፈ ምስሞተን ግን ብዛዕባ ምእሳር ተይኮነስ ብዛዕባ ካሊአ ሓደጋ ምፍራሕ ጀሚረ ነይረ። ከምዙይ ናሃለወ ግነቦት 16/93 ሓሙስ ናይ ፀረ ሙስና ኮሚሽን አዋጅ ወፂኡ ይበሃል፤ ብፅብሒቱ ዓርቢ ካብኡ ቀዳምን ሰንበትን፤ እቲ ሰኒ ከዓ ግንቦት 20 በዓላት ስለዝነበሩ ቱ አዋጅ ብዝምልከት ወረ የረኽብናን።

ካብኡ ጉንበት 21 ንጉሆ እንትልዓል እንተለኹ ሰላሳ ዝኾኑ ወተሃደራት እዛ ገዛይ ከቢቦምዋ። ከፊተ እንተወፃእኹ፤ ኣብ ሳሎን ተይተረፈ ኣትዮም ዝፅበዩኒ ይረክብ። ታዎት ኢኹም እንተበልክዎም፤ ፌደራል ኢና ንዓኻ ደሊና መፂእና። ንዓይ እዚ ኹሉ ወተሃደር? እንታይ ጉዱ? እንተበልኩ መልሲ የለን። ደንጊፀ። ባዕለይ ክመፅኣኩም ነይረ እንድየ፤ እንድሕር ደሊኹም ኢለዮም። “በሉ ዉፁ ኣብ ደገ ፅንሑኑ፤ ክዳነይ ተኸዲነ ባዕለይ ክመፅእ እየ፤   ስድራይ ከይድንግፁ” ኢለ ኣውፂአዮም። ሽዑ ተመሊሰ ኣትየ ክዳነይ ቀይረ፤ ንሰበይተይ እውን እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን ግን ድሓን ኢለ ወፂአ እንተኸድኩ፤ብሰለስተ መኪና ተዓጂበ ጉዕዞ ጀመርና።

ታይ ገይረ እየ፤ ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ዶኸ እለኩም፤ ናበልኩ ተሓተትኩ መልሲ የለን። በሓደ ወገን ቱ ኣዋጅ ወፂኡ ምስምሕዳሩ ታይ ኮን ፈጢሮም ሓዲሮም ይብል፡ ብኻሊእ ወገን ደማይ ቱ ዓጀብ ምብዝሑን ቱ ኣፍቱ መገዲታት ዝነበረ ፅንኩር ሓለዋታትን ትትርኢ፤ሽዑ ገሊኦም ዶ መፈንቅለ መንግስቲ ፈቲኖም፤ በዓል ፃድቃንን ጆቤን ዶ ሓደ ነገር ገይሮም? ዝብል ነይሩኒ። ሳልሳይ ጥርጣረይ ከዓ ንስየ ቀቲሎምዎ ኣለዉ ማለት እዩ፤ እናበልኩ ብግምት ክመውት ኢለ። እንተሓተትኩ መልሲ የለን። እንታይ እዩ እንተበልኩ በቃ ሒዝካዮ ንዓ ኢየተባሂለ ጥራይ እያ እታ ዘረባ። መን እዩ ኣዛዚ ናበይ ኢና እንተበልኩ እውን ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ቢሮ።

ገዛይ ጦር ሃይሎች ከባቢ እዩ፤ ንሳቶም ዝወስዱኒ ዝነበሩ ግን ከክንዲ ናብ ኣራት ኪሎ ናብ ፒያሳ ገጽ ስለዝነበረ ናብ ጠቅላይ ሚ/ር ቢሮ ዝበለኒ ሓስዩ ምኻኑ ተረዲአ። ድሓር ኣብ ፒያሳ ከባቢ ትንበፅሕ፤ ግልፅይብል ኣለኹስ ኣብ ሓደ መኪና ትምኒት ሓፍተይን ሰበይቲ ምሕረትኣብን ይርእየን። ንሳተን እውን ኣብ ናይ ፌደራል መኪና እየን ተፃዒነን። ሽዑ በቃ ርግፀኛ ኮይነ። እቲ ጉዳይ ምስ ኩዴታ ገለ ዝትኣሰሰር ዘይኮነስ ምስ ሞት ስየ እዩ ኢለ። ንንተምኒት ምስረአኹ ንስዬ ቀቲሎም ቱ ቤተሰብ ኣብ ዳእሱር ከፅነሑና ዝእክቡና ዘለዉ ገይረ እየ ተረዲአዮ። ካብኡ ኣብ ማእከላዊ ኣቲና። ነዓይ ንበይነይ ሓደ ክፍሊ ሂቦም ቱ ማዕፆ ብደገ ይቑሉፋዎ። አፍታ ቦታ 11 ገዛውቲ እየን ዘለዋ፤ ኣነ ኣብ ቁፅሪ 10 እየ ዘለኹ። ኣፍተን ካልኦት ክፍልታት ሰብ ከምዘሎ ገሚተ፤ በዓል መን ከምዘለዉ ግን ክፈልጥ ደልየ። እቲ ማዕፆ ይኹሕኩሕ እሞ ሽንቲ መፂኡኒ ኢለ ይወፅእ ። መን ከምዘሎ ኣብ ጎነይ ንምርኣይ እዩ እቲ መውፅእየ። ተን ክፍሊታት ሸዱሽተ ብሓደ መደዳ፤ ካልኦት ሽዱሽተ ብካልኣይ መደዳ ኮይነን ታ መበል 12 ሽንት ቤት አያ።ብተርታ ስለዝኾና ዋላ ቱ በሪ ተዓፅዩውን በታ ንእሽተይ መስኮት ትመስል ቅልቅል ናበልካ መን ኣሎ ይፍለጥ እዩ። ብሙልኡን እተን ክፍሊ ርእየየን። ኣፍተን ፊት ንፊተይ ዝነበራ ካብ 1 እሰካዕ 5 ክፍልታት መብዛሕትኦም ነጋዶ እዮም፤ ቁፅሪ 6 ክፍቲ ነይራ፤ ኣብኣ ዘይፈልጦም መናእሰይ እኒሀዉ። ናብተን ካልኦት ቅልቅል እንተበልኩ አስመላሽ፤ ብርሃኑ ጂጆን ቢተውን ይርኢ። ፍስሃ ንእሽተይ ሓወይ ኣብቲ ሓደ። 7 ቁፅሪ ስየ እኒሀ። ስየ ዲኻ? እወ ድሓን ዲኻ? ድሓን እየ! ኣይሞተን፤ ርግፀኛ ኾይነ። ኣፍታ ቑፅሪ 11 ደማይ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋን ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማሪያምን ነይሮም። ዘይሸይን ምኻነይ ምስተረደአ፤ እቲ ወተሃደር ጎቲቱ ኣእትዩኒ። ስየ ዘይምሟቱ ድማ ሕዚካልእ ሕቶ ኣልዒሉለይ። ኣስመላሽ ኣትዩ። ሰበይቲ ምሕረትኣብ። ፍስሃ። ትምኒት። እሞ እንታይ ድኣ እዩ ኣእሲሩና ዘሎ? ክልቲአን ጥርጣረይ ፈሪሰን።

ሓደ ሰለስተ መዓልቲ ዝኾን ከምኡ ዓፅዮም የፅንሑና እሞ፤ ድሓር ግን ብምልክት፤ ከምኡውን ናብ ሽንቲ ቤት ትንከይድምርኻብ ንጅምር። ንዓና ኣይፅውዕናን። እቶም ነጋዶ ግን ብተደጋጋሚ ናብ ምርመራ ትትፅውዑ ይርኢ ስለዝነበርኩ፤ እንታይ ይብሉኹም እንተበልኩዎም “እዞም ሰባት እዚኦም እንተዘይኣሲርና መንግስቲ ክፈርሰና እዩሞ ተሓባበሩና“ ዝዓይነቱ ልመናን ምፍርራሕን ከምዝነበረ ይርዳእ።ሓደ ካብቶም ነጋዶ ንኣሰፋን ንስዬን ጉቦ ሂበዮም ኢልካ ተዘይመስኪርካልና ንስኻለ ኣብዚኣ ክትሓቅቕ ኢካ ንብረትካውን ክውረስ እዩ ናበሉ ዓቕሉ ምስ ኣጭነቑሉ፤ “ኣነ ክስታናይ እየ ብሕሶት ንክምስክር ሃይማኖተይውን ኣይፈቕደለይን፤ ምስ ዞም እዚኦም ፍልጦውን የብለይን፤ ምሰኦም ሻሂውን ሰትየ ኣይፈልጥን ዝጠቅም ተኮይኑ ግን ካሊእ ሰብ ክጥቁመልኩም“ ይብሎም። ቶም መርመርቲ ደማይ ሃነቖው ኢሎም፤ መን ኢሎም ምስ ሓተቱዎ፤ “ጉቦ ሂበዮም ኣይፈልጥን፤ ምስ ኣቦይ ስብሓት ግን ብዙሕ ግዘ ሓቢርና ዊስኪ ስቲና እለና“ ኢሉዎም ይብሃል። ቱ ምርመራ ንዙይ እዩ ዝመስል። ሽዱሽተ ወርሒ ሙሉእ ብሬድዮ፤ ብቴሌቪዥን፤ ብፋክስ፤ ብስልኪ፤ ኣብ ዓዲ ውሽጢ፤ ኣብ ወፃኢ፤ ብፈተሻ፤ ብምርመራ፤ ብለመና፤ በሹመትን ገንዘብን ብምሕባል፤ ኣባና ዝምስክር ሰብ ድልያ ከሪሞም። ቱ ውፅኢቱ ከምቱ ስዬ ኣብቱ መፅሓፉ ብዝርዝር ዘቐመጦ ቱ ድኻ ትግራዋይን ዘይፈልጠና ወዲ ማእኸል ዓዲን ኣፍታ ሓቂን እምነቱን ነቒፁ ቱ ዝኽፈል ናይ መእሰርቲን ካብ ሥራሕ ምፍንቓልን ከፊሎም፤ ቶም ዓበይቲ ፖለቲከኛታትን ሹመኛታትን ደማይ ኣብ ቕድሚ ዓለም፤ መፅሓፍ ቅዱሰ ሒዞም ትትሕሽዉ ርኢና። ሕሾት ናይ ውድብን መንግስትን ፖሊሲ መፈፀሚ ዕላዊ ሰትራተጂ ምኻን ዝጀመረውን ሎሚ ዘይተምሃረ ትግራዋይ መንእሰይ ተማሂሩ፤ ጠምዩ ናሃለወ ፀጊቡ፤ ናበለ ናይ ቢሮ ሓላፊ ትትፅብፅብ ተይኮነስ፤ ቅድም ኢሉ አባላት ፖሊት ቢሮ ህወሓት አብ ቅድሚ ዓለም፤ ገወኦም መፅሓፍ ቅዱስ ሒዞም፤ ምስ ባእሎም ዝፈረሙዎ ዝላተም ሓሰት ትትምስክሩ እዩ።

ቤት ፍርዲ እውንዶ ትቐርቡ ነይርኩም ጎናጎኒ እቲ ምርመራ ?

እወ ልክዕ ኣለኻ፤ እሽዑንድያ ብርቱካን ንስየ ፈቲሓ ሓዱሽ ኣዋጅ ብሱሙ ዘውፀአትልና። ምስ ተኣሰርና ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲታት በቢጉጅለ እናገበሩ ቤትፍርዲ ምውሳድ ጀሚሮም። ሓደ መዓልቲ ኣብ ፍርዲቤት ከይድና። ኣነን ቢተውን ስየን ካልኦትውን ኮይና ንቐርብ፤ ቱ ከሳሲ ዝተብሃለ ዓቃቢ ሕጊውን ይቐርብሞ፤

ሓደ ወረቐት ኣውፂኡ ገለ 100 ዝኾና ናይ መንግስቲ ትካላት ዝነበራሞ ብፕራይቬታይዘሽን ዝተሸጣ ትካላት ስም ዝርዝር የንብብ፤ ኣብ መጠረሽኡ ዘን ተካላት እዚአን ኣሰፋን ቢተውን ብዘይኣግባብ ሸይጦምወን ኢሉ ይኸሰና። ኣነን ቢተውን ናይቱ ፕራይቬታይዜሽን ቦርድ ስለዝነበርና ተነኣሰ ቱ ጉዳይ ንርደኦ ንኾን፤ ንንሰዬ ግን ምንም ዘይፈልጡዎ ጉዳይ እዩ ነይሩ።

ቅድሚ ንሕና መልሲ ምሃብና ታ ማእኸለይቲ ዳኛ ብርቱኳን፤ መን ከእዩ እሰሮም ኢሉካ፤ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣሎካ ዶ? ኢላ ትትሓቶ፤ ቱ ዓቃቢ ሕጊ ደማይ፤ ታ ወረቐት ዊጥ ናበለ፤ ይሀው ጠቅላይ ሚንስተር ቤት ፅሕፈት ዝሃበኒ ኢሉ ናተን ትካላት ዝርዝር ዝሓዘት ፋክስ የሪኣ። “እዚ ፋክስ እዚ ሒዝካ እሰር እየ ተባሂለ።” ይብላ።

ንሳ ድማ “ንመን እሰር ተባሂልካ?” ትብሎ ኣላ። ድሓር ንሱ ድማ “ለስየ እና ቤተ ሰቦቹ!” ይብላሞ ቢተው ከዓ ፤“ እሞ ኣነ እኮ ቢተው በላይ እዩ ሹመይ፤ ቢተው ኣብርሃ ኣኮነን” ይብልሞ ቱ ቤት ፍርዲ ብሰሓቕ ይፈርስ።

ብድሕሪኡ ኣነ ኢደይ ኣውፂአ ምስ ፈቐደትለይ፡

“ኣነ ምስ ስየ ሰሪሐ ኣይፈልጥን። ምስ ምሕረተኣብ ሰሪሐ ኣይፈልጥን። ምስ ኣጀብነሽ (ሰበይቲ ምሕረትኣብ) ሰሪሐ ኣይፈልጥን ምስ ትምኒት ሰሪሐ ኣይፈልጥን። ኣነ ምስ መንግስቲ እየ ሰሪሐ። ምስ መለስ እየ ሰሪሐ።” ይብላ። ዝሰራሕኽዎ፤ ዘጥፋእኽዎ ነገር እንተሃልዩ ምስኦም እምበር ምስዚኦም ኣይኮንኩን ዝሕተት። እቲ ሰብኣይ እውን ኣሚኑልኪ ኣሎ። ስድራ ስየ ክኣስር እዩ መፂኡ። ስለዚ ሓው ስየ እንድሕር ኮይኑ ዘእስር ኣነ ድማ ሓው ስየ ምዃነይ ኣይክሓድክዎን።” ይብላ።

ቢተው ከዓ ርግፅ ካብ ዘን ትካላት እዚአን ገወአን ትትሽየጣ ኣባል ቦርዲ ነይረ፤ ከምቶም ካልኦት አባላት ኣፍቱ በቱ ኤጀንሲ ተገምጊሙ ዝመፀልና ናይ ውሳነ ሓሳብ ተመመያዪጠ፤ መጠረሽቱ እውን ናይ ሓባር ርኢቶና ሓዊስና ናብ ጠቅላይ ሚ/ር ፅ/ት ኢና ንልእኾ እምበር ንሕና ወሰንቲ ኣይኮናን፤ ናይ ቦርደ ኣባላት ከዓ ኣነን ኣሰፋን ጥራሕ ተይኮናስ ብዙሓት ኢና፤ ይብል።

ታ ዳኛ ቶም ካልኦት ናይ ቦርድ አባላት ንንመን እዮም ምስ በለቶ፤ ሙሉጌታ ዓለምሰገድ፤ ሱፊያን አህመድ፤ ተፈራ ዋልዋ፤ ዶ/ር ከበደ ታደሰ፤ መስፍን ለማ፤ ናበለ ደርደሮም።

ዙ ኩሉ ምስ ሰመዐት ዳኛ ብርቱኳን ከዓ፤ “ኣሰፋ ፕራይቬታይዜሽን ነይሩ፤ ፅቡቕ። ስየ ኸ እንታይ ገይሩ እዩ ተባሂልካ?” ኢላ ነቱ ዓቀቢ ሕጊ መሊሳ ምስ ሓተቶ፤ ወዲ ግራ ይኣቶሞ፤‘እንድዒ! እሰር ጥራይ እየ ተባሂለ።” ይብላ። ኣከታቲላ “መንእሰር ኢሉኳ?” ትትብሎ፡ ‘ጠቅላይ ሚኒስትር ፅ/ቤት!’ኢሉ ምስ ደገመላ፤ ስዬ ናይ ክልተ ሺሕ ቅርሺ ዋሕስ አትሒዙ ንክፍታሕ ትውስን።

ኣፍታ ቅድሚኣ ዝነበረት ኣስመላሽን ትምኒትን ተፈቲሖም እኒሀዉ። ስዬ ብዋሕስ ይፈታሕ ምስተብሃለ ኩሉ ሰብ ተሓጊሱ። ናይ መዓልትታት ጉዳይ እምበር ኩላትና ከምንፍታሕውን አረጋጊፅና።

ዓርቢ መዓልቲ እያ ነይራ፤ ቱ ቤተሰብና ብሙሉኡ ኣብ ዳ እሱር ምስ ምካኑ ክልተ ሺሕ ቀሊል ከምዘይኸውን ተገመትኩውን፤ ጠበቓና ኣይተ ካልአዩ መሓሪ ሽዓ እዩ ታ ናይ ስየ መፍትሒት ወረቐት ኣምፂኡ ንቶም ናይ ማዕከላዊ ሓለፍቲ ሂቡዎም። ንሕናውን ናይ ስዬ ፍራሽን ባልጃን ሸኪፍና በሪ በሪ ናጠመትና፤ ኸዚ ፀውዑዎ ናበልና ትፅብይ ውዒልና። ናብ ኣጋምሸት ወገን ምስኮነ ግን ሓደ ዘገርም ወረ ንሰምዕ፤ ቱ ዓቃቢ ሕጊ፤ ስዬ ክፍታሕ የብሉን ኢሉ ናብ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ያ ኢሉ ንሰምዕ።

ንውሕስና እውንዶ ይግባይ ይበሃል ዩ? ኢልና ትሓተትና ዝረኸብናዮ መልሲ፤ ተገይሩ ኣይፈልጥን ዝብል ነይሩ። ይግባይ ክበሃል ተኾይኑ ድሕሪ ፍርዲ እምበር ቅድሚ ፍርዲ ገና ንገና ሰብ ብዋሕስ ተፈቲሑ ተባሂሉ ይግባይ ትትበሃል ሎሚ ኣብ ስዬ ኢና ርኢና ኢሎምና ቶም ፈላጣት ።

ዓርቢ እዩ እዚ። ዋላእኳ ፍትሑዎ ዝብል ትእዛዝ ብዓርቢ ይብፀሓዮም፤ ስዬ ግን ሰኑይ እውን ኣይተፈትሐን። ሰኑይ ረፋድ ካብቶም ጠበቓታትና ወረ ይመፅእ፤ዋሕስ ዝኽልክል ሓዱሽ ኣዋጅ ወፂኡ ዝብል። ወረ ኾይኑ ኣይተረፈን፤ ወዮ ኣዋጅ ተሓቲሙስ ኣብ ቤት ፍርዲ በፂሑ ተብሃለ። ደሓር ከምዘረጋገፅናዮ ቱ ፓርላማ ገና ተይተኣከበ እዩ ቱ ኣዋጅ ተሓቲሙ ወፂኡ ተባሂሉ። ኣብ እዋን ምሳህ ተነጊሩና ንሕናውን ቕዳሕ ረኪብና። “ብሙስና ዝተጠርጠረ ዋሕስ ኣይፍቀደሉን!” እያ እትብል እታ ኣዋጅ።

ዓርቢ ተይተፈትሐ ብምሕዳሩ ዘይተሓጎሰ ናይ ስዬ ጠበቓ፤ ሰኑይ ንጎሆ ናብ ዳኛ ብርቱኳን ከይዱ አቤት ይብልሞ፤ ንሰሉስ ንጎሆ ንስዬ ሒዝኩምዎ ከምትመፁ ዝብል ብቀጥታ ናብቶም ሓለፍቲ ናይ ማእከላዊ ዝተፅሓፈ ተእዛዝ ሒዙሎም ይመጽእ።

ሰሉስ ንጎሆ ስዬ ናብቱ ብርቱኳን ትዳንየሉ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ክኸይድ ትንጽበ፤ ካሊእቲ መኪና ትምጽእሞ ንኹላትና ጽዒና ናብ ጠቅላይ ፍርዲ ቤት ትወስደና። ፋይልናን ቖፀራናን ኣፍቱ ታሕተዋይ እዩ ነይሩ፤ ሕዚ ግን ብቖረፃ ንሕናውን ተጨዊና ኣይተ መንበረ ፀሓይ ዝብሃሉ ዳይና ናብ ዝመርሑዎ ሓዱሸ ችሎት ቀሪብና። ንሕና ኣብዙ ሓዱሽ ችሎት ትንቐርብ ዝሰምዐ ቤተሰብ ይኩን ጠመቓ የነበረን፤ ኩሎም ቤተሰብናን ጠመቓታትናን እፍቱ ስዬ ክቐርብ እዩ ዝተብሃለሉ ናይ ኣራዳ ችሎት እዮም ዝነበሩ። ስዬ ኣብ ጠቅላይ ፍርድ ቤት ናሃለወ ግን ብርቱኳን ኣፍቱ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ትፅውዖ ኣላ። ነቲ ፖሊስ ፀዊዓ “ስየ ኣምፅኣዮ”እንተበለት “ኣይ የለን ጠቅላይ ፍርዲ ቤት ፀዊዑ ወሲድዎ” ይብላ።

ብርቱኳን ናይማን ዳኛ እያ።ናይ ቤት ፍርዲ ትአዛዝ በፂሑካ ናሃለወ፤ ስለምንታይ ብዓርቢ ዘይፈታሕኻዮ ኢላ ትተፋጥጠሉ ደማይ ወዮ እንቱር ዓቃቢ ሕጊ ዝዛረቦ ይጠፍኦ። ደድሕሪኡ ስዬን ቱ ናይ ማእከላዊ ሓላፊን ብፖሊስ ተዓጂቦም ንፅብሒቱ ንክመጹ ትእዝዝ።

ሮብዕ ከምቱ ዝተአዘዞ ቱ ናይ ማእከላዊ ኣዛዚን ስዬን ብፖሊስ ተዓጂቦም ምስቀረቡ፤ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ በፂሑዎ ናሃለወ ንስዬ ስለምንታይ ከምዘይፈትሖ ትትሕተት፤ ሓዱሽ ኣዋጅ ከምዝወፀሞ ብቱ ኣዋጅ መሰረት ደማይ ብሙስና ዝተጠርጠረ ሰብ ዋሕስ ከምዘይፍቅድ ይነግራ። ወዮ ናይ ዳኛ ውሳኔ ከፍፅም ዝተመደበ ፖሊስ ባዕሉ ዳኛ ኮይኑ ንዳኛ ብርቱካን ሕጊ ይትርጉማላ፤ ዙ ኩሉ ዝተአከብ ጠበቓን ህዝቢን እውን ገረሞ። ኣብ መጠረሽታ ደማይ “ኣነ ዋሕስ ዝፈቐድኩሉ እቲ ኣዋጅ ቅድሚ ምውፅኡ እዩ፤ ኣዋጅ ደማይ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ተመሊሱ ዝሰርሕ ኣዋጅ ከምዘየለ” ምስኣረደአቶ ንቱ ፖሊስ ብረቱ ሒዙ ናብ ማእከላዊ ንኽምለስ፤ ስዬ ደማይ ካፍቱ ቤት ፍርዲ ብቀትታ ንገዝኡ ንክኸድ ፈቐደትሉ።ይኹን እምበር ከምቱ ትፈልጦ ስዬ ገዝኡ ተይበፅሀ፤ ካፍቱ ቤት ፍርዲ ወፂኡ ብእግሩ ዝተወሰነ ርሕቐት ምስከደ፤ ሕዚውን ቶም ፌደራል ፖሊስ ኣብ ደገ ፀኒሖም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ጨውዮም ናብ ማእከላዊ ይመልሱዎ።

ስዬ ተመሊሱ እንትመፅእ ንስኹም ታይ በልኩም፤ ብስሩኸ እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ምውፅኡ ከመይ ተረዲእኹምዎ ?

እታ ኣዋጅ ምስወፀት ብጣዕሚኢና ፈሪሕና። ክሻዕ እታ ኣወጅ ዝወፀትሉ መዓልቲ፤ ቁሩብ ገልታዕታዕ ይህሉ ይኾን እምበር መጠረሽትኡ ሕግን ሓቅን ከምዝዕወቱ እምነት ነይሩና። መብዛሕትና በብመጠኑ ብደርጊ እውን ተኣሲርና ዝነበርና ኢና፤ ብፍላይ ኣነ ብዙሕ ነገር ሪአ እየ ዝብል ነይረ፤ መንግስቲ ዝኣክል ንሓደ ዜግኡ ንኸጥቅዕ ቱ ናይ ባዕሉ ናይ መንግስትነት ክብርን መሰረትን ከምዙይ ትተፍርስ ግን ሪአ ሰሚዐ የፈልጥን። ካብ ደርጊ ዝኸፍእን ዝግስርጥን መንግስቲ ዘሎ ኣይመስለንን፤ ይኹን እምበር ደርጊ፤ ናብ ፍርድ ቤት ኣይሰደካን እምበር ብዝኾነ ምኽንያት ተገዲዱ ናብ ፍርድ ቤት ንዘቕረቦ ሰብ ኮነ ጉዳይ ቆላሕ ኢሉ ኣይርእን። ንኣብነት ብ1974 ብዙሓት ናይ ሻዕቢያ ኣባላት ትትእሰሩ፤ ቱ ዋና ጠርናፊኦም ተስፋማርያም ፀጋይ ዝበሃል ኣብ ECA ዝሰርሕ ስለዝነበረ ብቱ ምስ ECA ዝነበሮ ዓለም ለኸ ውዕል ምኽንያት ናብ ፍርድ ቤት ከቕርቦ ተገደደ። ተስፋማርያም ከምቶም ካልኦት ብፆቱ ተገሪፉ ዝገበሮን ዘይገበሮን አሚኑሎም፤ ቱ ቃሉውን ማስረጃ ተባሂሉ ናፍቱ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ። ይኹን እምበር መብዛሕቱ ቱ መረዳእታ ብዘይሕጋዊ መገዲ ወይ ከዓ ብመግረፍቲ ዝተረኸበ ስለ ዝነበረ ተቐባልነት ኣይረኸበን፤ ካብኡ ዝተሓተ ሓላፍነት ዝነበሮመ ብፆቱ ቤት ፍርዲ ተይቀረቡ ብኮሚቴ ሞትን ዕድመ ልክዕ መእሰርትን ትትፍረዶም፤ ተስፋማርያም ብሓሙሽተ ዓመት ተገላጊሉ። ከምዙይ ዝበሉ፤ ዋላ ዕረ ናጣዓሞ ቱ ናይ ባዕሉ ፍርደ ቤት ንከኸብር ክብል መንግስቱ ሃ/ማርያም እኩዋ ኣብ ቤት ፍርዲ ኢዱ ኣየእትውን ነይሩ።

መለስ ከምዙይ ዓይነት ሕጊ ንስዬ ኢሉ ትተውፅእ፤ ብድሕሪኡ ደማይ ፍርድ ቤት ምስ ፈትሖ ካብ መንገዲ ጨውዩ ምስ ኣምፀኦ፤ ብጣዕሚ ከምዝፈርሐ እሞ ከሻዕ ፍርሑ ዝለቀሉ ከምዘይለቀና ኢና ተረዲእና።

ኣነ ባዕለይ ካብ ሥራሕ ምስለቐቕኩሞ ክትእሰር ኢኻ ኢሉ ብዙሕ ሰብ ናነገረንን ንወፃኢ ንኽኸይድ ናኻኣልኩን እምቢ ኢለ ዝፀናሕኹ ሕግን ዳኛን እሎ ኢለ እየ፤ ሕዚ ግን ከምዝተጋገኹ ተረዲኡኒ፤ ብጣዕሚውን ሓዚነ፤ ኩሉ ሰብ ሓዚኑ።

ዘይሩ ዘይሩ ግን ዘይተርፈልና ምኻኑ ምስፈለጥና፤ ንነዊሕ ጉዕዞ ልኽንዳሎ ወሲንና። ኣነ ብውልቀይ ድሕሪ 25 ዓመት ሺጋራ ብፅቢሕታ ጠጠው ኣቢለ፤ ቅድሚ ፍርዲ ብሕማም ከይሞት ኢለ ሰፖርት ጀሚረ። ቶም ብሓደ ግዘ ክልተ ሸሓነ እንጀራ ሒዞም ዝመፁ ዝነበሩ ቤተ ሰብና፤ ከምኡ ንኸይገብሩ፤ በብተራ ሓንቲ ሓነቲ ሸሓነ ጥራሕ ክልእኹልና ነጊርናዮም።

(ወድዒ ምስ ኢንጅነር ኣሰፋ ኣብርሃ ኣብ ቀፃሊ ሕታም ክቕፅል እዩ)