ብ ተስፋሚካኤል ንጉስ

መእተዊ

ግዕዝይና፤ ምሕዳርን ልምዓትን ዝተአሳሰሩ ጉዳያት ኮይኖም ናይ ሓደ ሃገር ወይኻዓ መንግስቲ ባህሪን ተፈጥሮ ዝገልፁ ዓበይቲ ጉዳያት እዮም፡፡ ዓይነትንን መጠንን ግዕዝይና ኣብ ሓንቲ ሀገር ክሰፍን ንዝድለ ምዕባለን ቁጠባዊ ለውጢን ዝለዓለ ፅልዋ አለዎ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ሃገራት ኣብ ውሽጠን ብዝርአ ዓይነትን መጠንን ግዕዝይና ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ፖሊስታት፣ ስትራቴጂታትን ካልኦት መዋቅራት ብምሕንፃፅ ካብ ስሩ ንምንቃልን ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንትኡ ንምንካይ ክሰርሓ ይርአያ፡፡

ምንም'ኳ ዝኾነ ዓይነት ንጥፈታት ግዕዝይና ኣብ ቁጠባ ሃገር ዝለዓለ ፀቅጢ ከም ዝፈጥር ዝፍለጥ እንተኾነ፤ ኩሉ ዓይነት ግዕዝይና ግን መግለፂ ድሑር/ዘይማዕበለ ኢኮኖሚታት ምኳኑ ኣብ ሓደ ጭቡጥ መረዳእታ ኣይተበፅሐን፡፡ ነዚ ፍልልይ ግንዛበ ድማ መንቐሊኡ ሃገራት ዝክተልኦ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ አይደሎጂን ፖሊሲን ዝተፈላለዩ ምዃኑን ናይተን ሃገራት ወድዓዊ ማሕበራዊ ኩነታት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዝርከብ ስለዝኮነን እዩ፡፡ በዚ ምክንያት ድማ ልምዓታዊ መንግስትን ኒዩሊበራል (ቡርዥዋዊ) አተሓሳስባታት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ዝተፈላለዩ ኣረዳድአ ግዕዝይና፤ መንቀሊን መፍትሕን ግዕዝይና ክህልዎን ይግደዳ፡፡ በተወሳኺ እዞም ዝተገለፁ ኣተሓሳስባታት ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን መንግስትን ኣብ መዳይ ሰናይ ምምሕዳር ከም መሰረታዊ መፍትሒ ግዕዝይና ዝህልዎ/ዘለዋ ፅዕንቶን ጥቅምን ዝተፈላለየ መርገፂ ክህልወን ግድን እዩ፡፡

ልምዓታዊ መንግስትን ኒዩሊበራሊዝምን

ልምዓታዊ መንግስትን ኒዮሊበራዝም ኣብ ፅሑፋት ፖለቲካን ስነ ቁጠባን ብበዝሒ አብ ጥቅሚ ዝውዓሉ ቃላት (terminologies) እዮም፡፡ እዚኦም ክልተ ፖለቲካዊን ስነ-ቁጠባዊን ኣረኣእያታት (perspectives) ኣብ መዳይ ርክብ መንግስትን ህዝብን፣ መንግስትን ዕዳጋን ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን፤ፖለቲካዊን መንግስታዊን መዋቅራት (Structure) ዘይሳነ ቅዋማት የንፀባርቁ እዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ ተፈጥሮ/እንታይነት ሙስና፣ መንቀሊኡን መፍትሒን፤ ዓይነታት ፖለቲካዊ ምሕደራን መንግስታዊ መሓውራትን ኣዝዩ ዝተፈላለዩ ቅዋማት የንፀባርቁ፡፡ ምንም'ኳዕ ልምዓታዊ መንግስታዊ አተሓሳስባን ኒዩ ሊበራል አይደኦሎጂን ነናይ ባዕሎም አወንታዊን አሉታዊን ባህሪታት ዘለዎም ተኾኑ፤ ናይ ሃገራት ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እንትርአዩ ግን እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካሊእ አተሓሳስባ ተመራፂነት ክህልዎ ይገብሮ፡፡ ንአብነት እንተወሲድና ኒዮሊበራሊዝም እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ናይ ነፃ ዕዳጋ ኣተሓሳስባ ሰባኺ እንትኸውን ልምዓታዊ መንግስት ድማ ብነፃ ዕዳጋ ኣተሓሳስባ ዝተቓነየ ኾይኑ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ዕዳጋ (ቁጠባ) ዘይንዓቅ ናይ ምሕደራ ስራሕ ንክሰርሕ ዝፈቅድ'ዩ፡፡ በዚ መሰረት እቲ ናይ መጀመሪያ ቁጠባዊ አተሓሳስባ ኩሉ መዳይ ንጥፈታት ኢኮኖሚ ሓንቲ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዕዳጋ ብዝነጥፉ ሸማታይን ዓዳጋይን ወይድማ ድልየትን ቅርቦትን ጥራይ ክውሰን አለዎ፤ መንግስቲ ድማ ነቲ ዕዳጋ ከም ዳኛ ናይ ምዕዛብን ሕጊን ደንብን ምክባርን እጃም ጥራይ ክህልዎ ይግባእ ኢሎም ይከራኸሩ፡፡ ዓለም ለኻዊ ሃገራዊን ኩነታት ቁጠባ ኣብ ኢድ ወነንቲ ካፒታል ክአቱ ዝፈቅድ እንትኾን መንግስቲ ዳርጋ ምንም ዓይነት እጃም ከምዘይብሉ የቐምጡ፡፡ ብአንፃሩ አተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስቲ ዕዳጋ ብዝተፈላለየ ምክንያት ፀገማት ስለዘጋጥሞ (ንአብነት ዘይምዕሩይ ስርጭት ኢንፎርሜሽን፤ አብ መንጎ ሰባት ዝርአ ዘይተመጣጠነ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ሃብቲ) መንግስቲ ጣልቃ ብምእታው እዚኦም ፀገማት ከመዓራርይን አለዎ ኢሎም ይአምኑ፡፡ አፈላላይ ልምዓታዊ መንግስቲን ኒዮሊበራዝምን ሰፊሕን ብዙሕን እንትኸውን፤ ኣብ መዳይ ርክብ መንግስትን ዕዳጋን ዘለዎም መርገፅታት ግን እቲ ቀንዲን መሰረታዊን አፈላላዮም ከምዝኮነ ምርዳእ ይከአል እዩ፡፡ መቐፀልታ እዚ አፈላላይ ድማ ንቅድሚት ተሳሒቡ ኣብ መዳይ ግዕዝይና'ውን ብሰፊሑ ይርኣይ'ዩ፡፡

ግዕዝይና፣ ልምዓታዊ መንግስትን ኒዮ-ሊበራሊዝምን

 

ግዕዝይና ማለት ኣብ መንጎ ውልቀ ሰብ (ውልቀሰባትን) ናይ መንግስቲ መሓውራትን(ቢሮክራሲ) ካብ ሕጊን አሰራርሓን ወፃኢ ዝግበር ርክብ እንትኸውን ንውልቃዊ ረብሓ ጥራይ ተባሂሉ ዝፍፀም ተግባር እዩ፡፡ እዚ ዓይነት ርክብ ካብ ናይ ዕዳጋ መርህ ዝወፀ ኮይኑ ሃፍቲ ሀገርን ህዝብን ፍትሓዊ ብዘይኾነ መንገዲ ንውልወሰባት ዝወሃበሉን ዘይተመጣጠነ ቁጠባዊ ሃዋህው ንክፍጠር ዓብይ አበርክቶ ዝገብር እዩ፡፡ ውልቀሳባት ነቲ ዝተመደብሉ ሓላፊነት ከም ጉልባብ(ሽፋን) ብምጥቃም ገለገለ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተረባሕቲ ንምግባር ዝኽየደሉ መንገዲ ሓደ መግለፂ ግዕዝይና (Corruption) እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ውልቀሰባትን ካልኦት አካላትን ማሕበራዊ ሞራል ብዝፃረር መንገዲ ዝኾነ ይኹን ጥቅሚ ንባዕሎም ዝገብሩሉ መንገዲ'ውን መግለፂ ግዕዝይና ከም ዝኾነ ብዙሓት ይሰማዕምዕሉ እዮም፡፡

ልዕል ኢለ ከምዘቀመጥኮዎ አተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስትን ኒዮሊበራሊዝምን አብ መዳይ ግዕዝይና ዝተፈላላየ ቅዋም አለዎም እዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ኩሉ ዓይነት ግዕዝይና ጎዳኢ አይኮነን ዝብል አተሓሳስባ አብ ደንበ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝተሰለፉ ፀሓፍቲ ብስፍሓት ይንፀባረቕ'ዩ፡፡ ነዚ ዓይነት አተሓሳስባ መሰረታዊ ምክንያቶም ድማ ኣብ ዓይነታት ሙስና ዝተደረኸ'ዩ ይብሉ፡፡ ብአንፃሩ ብወገን ኒዮሊበራል አተሓሳስባ ግን ዝኾነ ዓይነት ግዕዝይና መግለፂ ኢ-ፍትሓዊነትን ጠንቂ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየት ምኳኑ ይአምኑ፡፡ ነዚ ድማ ቀንዲ መንቐሊኡ መንግስቲ ኣብ ዕዳጋ ዝገብሮ ዘየድሊ ጣልቃ ኣታውነት'ዩ ኢሎም ይኣምኑ፡፡

ኣብ ዙሪያ ኒዮሊበራል ፖለቲካል ኢኮኖሚያዊ አተሓሳስባታት ዝተፀሓፉ ሰነዳት ከምዘረድእዎ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ ኢኮኖሚ (ዕዳጋ) ዘለዎ እጃም ልዑል ስለዝኾነን ፍትሓዊ ውድድር ከይሰፍን ድማ ዕንቅፋት ብምኳኑ ግዕዝይና ንክስፋሕፋሕ ይረድእ'ዩ ይብሉ፡፡ ብምኳኑ'ውን ልምዓታዊ መንግስትን ግዕዝይናን ዘይፈላለዩ እዮም ብምባል ይካትዑ፡፡ እቲ ናይ መንግስቲ ጣልቃ አታውነትን ድማ ምስ ገለ ቢሮክራት ርክብን ዝምድናን ዘለዎም በዓል ሃፍቲታት ዘይፍትሓዊ ጥቅሚ ክረክቡ በሪ ስለዝኸፍት ዘይተመጣጠነ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ኣብቲ ሕ/ሰብ ንክፍጠር ይገብር'ዩ ብምባል ኢድ አታውነት መንግስታት ይኩንኑ፡፡

ብአንፃሩ አቐንቐንቲ አተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስቲ ድማ ናይ ሃገር ውሽጢ ብዓል ሃፍቲ(ካፒታሊስት) ኣብዘይብለን ፣ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ድሕረት ኣብ ዝተስፋሕፈሐሉን ኩነታት መንግስቲ ኣብ ዕዳጋ ኢዱ እንተዘይአእትዩ ሃገራት ናይ ውሽጢ ዓቅሚ ፈጢረን ዓለምለኸ ተወዳዳራይነት ኮይነን ናብ ኢንዱስትሪ ዝሸጋገራሉ ዕድል ስለዘይህልወን ናይ መንግስቲ ግደ የድልይ'ዩ ይብሉ፡፡ ተንተንቲ ልምዓታዊ መንግስቲ ግዕዝይና ኣብዚኣን ሃገራት ከምዝህሉ ርግፅ'ዩ እንትብሉ፤ ንክህሉ ድማ ናይተን ሃገራት ማሕበራዊን ቁጠበዊን ኩነታት የገድድ'ዩ ብምባል ሓሳቦም የቅርቡ፡፡

ብመሰረት አተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ መንጎ ርዕሰ ማላውያንን መንግስትን ጥንኩር ርክብ (ዝምድና) ክህሉ ይግባእ፡፡ እዚ ርክብ ድማ ርዕሰ ማላውያን ምእንታን ዓቅሚ ክፈጥሩን ዓለም ለኻዊ ተወዳዳሪነት ክህልዎምን ስለዝገብሮም ዘይሕጋዊ (ካብ ዕዳጋ ወፃኢ) ዝኾነ ጥቅሚ ካብ መንግስቲ ንክረክቡ ዕድል ይፈጥረሎም እዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ግዕዝይና አሎ ምባል ይካአል ብምባል ይከራከሩ፡፡ ይኹን'ምበር እቲ ዓይነት ግዕዝይና (ዘይሕጋዊ ጥቅሚ) ናብ ኢድ መፍረይቲ ክሳብ ዝኣተወን ካብ ኢድ ዘይ-መፍረይቲ (Bureaucratic) ወፃኢ ክሳብ ዝኾነን ንሃገርን ህዝብን ቀፃላይ ጥቅሚ ስለዘለዎ ጎዳኢ አይኮነን ይብሉ፡፡ ብካሊእ አገላላፃ መንግስቲ መፍረይቲ ንዝኮኑ ልምዓታዊ ብዓል ሃፍታት ኪራይ ምክፈፋል ከምዘለዎን አድላይ ከምዝኮነን የብራህርሁ፡፡ ግዕዝይና ጎዳኢ ዝኾነሉ ኩነታት እንትገልፁ ድማ አንፈት ፍሰት ሃብቲ ብአንፃሩ (ተቃራኒ) እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ እንተኾይኑ'ዩ ብምባል ሓሳቦም የቅርቡ፡፡ እዚ ድማ ቅሉዕ ዝኮነ ኪራይ አካባይነት(ሙስና) ስለዝኮን አብ ልዕሊ ሃገር ዝፈጥሮ ሓደጋ ከቢድ እዩ ብምባል መጥፈአይ ገፂ ግዕዝይና ይገልፁ፡፡

ግዕዝይና ሓደ መግለፂ ልምዓታዊ መንግስቲ ይኹን'ምበር ሓንቲ ሃገር ማል ዝተኻብተሉን ውሽጣዊ ዓቅሚ ዝተፈጥረሉን ባይታ ስለዘረጋግፅ ጎዳኢ አይኮነን፡፡ እዚ ዓይነት ግዕዝይና ኣብ ማህበራዊ ሽግግር ዘለዎ ሃገራት ዝርአ እንትኸውን እቲ ሽግግር ምስተዛዘመን መንግስቲ ኣብ ዕዳጋ ዘለዎ ግደ አናነከየ እንትከይድ ዝቅንሰን ኣብ መወዳእታ ድማ ክጠፍእ ዝክዕል'ዩ ተባሂሉ ይእመን፡፡

ንኣብነት ጉዳይ መሬት ወሲድ ምርኣየው ንክእል ኢና፡፡ መሬት ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ናይ ውልቀሰባት ከይኖነስ ናይ ህዝብን መንግስትን እዩ፡፡ እዚ ማለት መሬት ቀንዲ ሃብቲ ሓንቲ ሃገር እንትኸውንን ውሑዳት በዓል-ማላት ኣብ ዝህልወሉ ኩነታት መሬት ኣብ ኢድ መንግስቲ ኾይኑ ፍትሓዊ ተጠቃሚነት ንክነግስን መሰረተ-ልምዓት ንክዝርጋሕን የገብር፡፡ ብኻሊእ ኣበሃህላ ውስን ተፈጥሮ ሃብትና ዝኾነ መሬት ኣብ ኢድ ውሑዳት ከይውህለል ብምግባር ግን ድማ ናይ ዓዲ ውሽጢ በዓል ሃብቲ ምእንታን ክፍጠር መሬት ብነፃን ብሊዝን እናተወሓቦ መዋእለ-ንዋይ ፈሰስ ንክገብር ይግበር፡፡ እዚ አሰራርሓ ኪራይ ምዕዳል እንብሎ እዩ፡፡ ኪራይ ምዕዳል ግዕዝይና አይኮነን፡፡ ብዓይኒ ኣተሓሳስባ ኒዮ/ሊበራላት ግን ካብ ዕደጋ ወፃኢ ዝግበር ሃብቲ ናይ ምስብሳብ አሰራርሓ ግዕዝይና እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብልምዓታዊ መንግስትታት ዝግበር ኪራይ ናይ ምዕዳል ከይዲ ግዕዝይና እዩ ኢሎም ይኣምኑ፡፡ መሬት ምሻጥ፤ምልዋጥ ብሕጊ ዝተኸልኸለ፤ ብዓይኒ ልምዓታዊ መንግስቲ ድማ ኪራይ ኣካቢት እንትኸውን፤ ኣብ ምዕራቡ ዓለም ግን መግለፂ ነፃ ዕደጋ ምኳኑ እዩ ዝፍለጥ፡፡ ነዚ እዩ ድማ መልክዕንን ትርጉምን ግዕዝይና ካብ ሃገር ሃገር ከምኡውን ብመንፅር ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ኣተሓሳስባታት ይፈላለ እዩ ዝበሃል፡፡ ካብ ዕደጋ ወፃኢ ዝግበር ኩሉ ነገር ድማ ጎዳኢ ኣይኮነን ዝበሃሉ ሓደ ምክንያት ድማ በዚ ሓቂ መሰረት እዩ፡፡

ብሓፈሻ ልምዓታዊ መንግስቲ ሃገራት አውሮፓ (ንኣብነት አብ እንግሊዝን ፈረንሳይን) ኣብ ከባቢ መበል 19 ክፍለ ዘመን ክትግብርኦ ምስ ዝነበረን መንግስታዊ ጣልቃ-ገብነት ምስ ዘበረታትዕ መርካንታሊዝም (Mercantilism) ዝመሳሰል አተሓሳስባ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ እዩ፡፡ ድሕሪ ምምዕባል እዘን ሃገራት ግን እዚ ዓይነት ቁጠባዊ አተሓሳስባ ብዝሓሸ ነፃ ዕደጋ እናተተከአ ብኡ አቢሉ'ውን ምስቲ ቀዳማይ ቁጠባዊ አተሓሳስባ ተአሳሰሩ ዝነበረ ግዕዝይና እናጠፍአ ምምፅኡ ይፍለጥ፡፡

ግዕዝይናን ምዕባለን (ቁጠባዊ ዕብየትን)

ኣተሓሳስባን ተግባርን ግዕዝይና ምስ ሓንቲ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ዝምድና (ርክብ) ከምዘለዎ ዝፍለጥ'ዩ፡፡ ይኹን ድአምበር ግዕዝይናን ቁጠባዊ ምዕባለን ቅደም-ሰዓባዊ ርክብ አለዎም ምባል አይከአልን፡፡ ሓንቲ ሃገር ብቁጠባ ማዕቢላ ማለት አብ ዝተሐተ ብርኪ ግዕዝይና ትርከብ ማለት ከምዘይኮ ኩሉ፤ዝተሓተ ግዕዝይና ዘለዋ ሃገር ዝለዓለ ቁጠባዊ ምዕባለ አለዋ ማለት አይንክእልን፡፡ ነዚ ኩሉ ኩነታት ዝውስኖ እቲ ዓይነት ግዕዝይና እንትኾን፤ነቲ ዓይነት ግዕዝይና ድማ አብታ ሃገር ዘሎ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ኩነታት ይውስኖ፡፡

ብመንፅር ኒዮሊበራሊዝም ግዕዝይና አቅሑት ወይ ድማ አገልግሎት ንምምራት ዘድልየና ዋጋ (Cost of production) ን ብሓፈሻ አብ ንግዲ ንምንጣፍ ዝነውፅኦ ዋጋ(Business cost) ክውስክ ስለዝገብርን በዚ አቢሉ ድማ ኢንቨስተራት ስለዘየበረታትዕ አሉታዊ ፀገም አለዋ ይብሉ፡፡ ብምኳኑ ድማ ሃገራት ዕዳገአን ንናይ ወፃኢ ኩባንያታት ክፍቲ ብምግባር፤ ተወዳዳራይነት ንክዓቢ ምግባርን ኢደን ካብ ዕዳጋ ብምውፃእ ግልፅነትን ተሓታታይነትን ንክሰፍ ብምግባር ምዕባለን ክሳልጣ አለወን ብምባል ይመኽሩ፡፡

ብዓይኒ ኒዮሊበራሊዝም ግዕዝይና ንክጠፍእ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝኾና ሃገራት ብፍላይ ፕሮግራም መሓውራዊ ለውጢ (SAP) ብምትእትታው ክፈትሕኦ ይግባእ ብምባል ናብ ዘይድለ ጉድጓድ ንክአትዋ ቀትሪን ለይትን ፀቅጢ ክሳብ ምፍጣር ዝበፅሑ እንትኾኑ፤ እዚ ግን ውድዓዊ ኩነታት ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ግምት ውሽጢ ዘየእተወ ስለዝኾነ ተቀባልነት ክህልዎ ከምዘይግባእ ስነሓሳባውያን ልምዓታዊ መንግስቲ የጠንቕቁ፡፡ ብምቅፃል ድማ ነቲ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ኩለመዳያዊ ኩነታት ፖለቲካ ኢኮኖሚ አብ ግምት ብምእታው ነዚ ዝስማዕማዕ ስትራቴጂ ብምንዳፍ ግዕዝይና ክቃለስኦ ከምዝግባእ ይመኽሩ፡፡

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ግዕዝይና ብተፈጥሮ እቲ ኣብ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝርአ ቁጠባዊ ለውጢ ዝቅንስን (ምጥፋእ'ኳ እንተዘይተኸአለ) ዝፈትሕን'ዩ፡፡ እዚ ማለት ውሽጣዊ ዓቅሚ ዘለዎም ርዕሰ ማላውያን እናተፈጠረ እንትመፀእን ተወዳደርቲ እንትኾኑን ምስ መንግስቲ ዝነበሮም ርክብ እናጠፍአ፤ ናይ መንግስቲ መሓውርን ፖሊስታትን ድማ ፅልዋ ናይ ምሕዳር ዓቅሚ እናፈጠሩ፤ እቲ ዝፈጥርዎ ዓቅሚ ብዝተፈላለዩ አገባባት (ንአብነት ቀረፅ (tax) ናይቲ ህዝብን ሃገርን ቁጠባዊ ዓቅሚ እናወሰኹ ምስኸደ ናይ መንግስቲ ቢሮክራሲ ንምግዕዛይ ዝህልዎ ድሌት ይቅንስ እዩ፡፡ ብምዃኑውን ግዕዝይና ብናይ ባዕሉ ተፈጥሮአዊ ዑደት (evolution) እናከሰመ ክመፅእ ይክእል ምባል ይከኣል፡፡ ብኻሊእ መንገዲ ድማ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ መሓውራት ንአብነት ፀረ-ግዕዝይና (Anti-Corruption commission) ብምጥያሽ ግዕዝይና ምቅላስን ምቁፅፃርን ዝካአል ኾይኑ፤ ካልኦት መንገድታት ብምካድ'ውን እቲ ፀገም ፍታሕ ንኽረክብ ምግባር ይኣአል'ዩ፡፡ እዚኦምን መሰል መፍትሕታት ግዕዝይና ኒዮሊበራል አተሓሳስባ ካብ ዝእዝዞም መድሓኒታት (ብአንፃር ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን መትከላት ልምዓታዊ መንግስቲ) ዝሐሸን አማረፂ ዘይብሎምን እዮም፡፡

እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ሓቂ ከምዘሎ ኾይኑ ግን ኣብ ውሽጢ ሊበራሊዝም ዝኽተላ ሃገራት ግዕዝይና የለን ማለት አይኮነን፡፡ ትርጉም ግዕዝይና'ውን ኣብ መንጎ መንግስታዊ ቢሮክራትን ውልቀሰባትን ዝግበር ርክብ ጥራይ ዝገልፅ አይኾነን፡፡ ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ዝግበር ርክብ ልዕሊ ናይቲ ቢሮክራሲን ውልቀሰብን ርክብ ብግዕዝይና ዝተለከመ ክኸውን ይክእል'ዩ፡፡ ብምኳኑ ድማ ነዚ ዓይነት ግዕዝይና ናይ ባዕሉ መቆፃፀሪ ሜላ ዘለዎ እንትኸውን ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ጉዳይ ግዕዝይና ንኒዮሊበራል ሃገራት አይትንከፍን ማለት ከም ዘይኾነ ግልፂ ምግባር አገዳሲ'ዩ፡፡

ስለ ሓፈሻዊ ጉዳያት ግዕዝይና እዚ ዝኣክል ብስበልኩ፤ናብቲ አብ ሃገርና ዘሎን መሓውራት መንግስቲ ከይላወሳ ዝገበርን፤ህዝቢ ፀርፀር ዝበለን ፀገማት ግዕዝይና (ኪራይ አካብነት)ን ጉዳያት ሰናይ ምምሕዳርን እስቲ ንእሽተይ ክብል፡፡

 

ኩነታት ግዕዝናን ልምዓታዊ መንግስትን አብ ሃገርና

አተሓሳስባን ተግባርን ልምዓታዊ መንግስቲ አብ ከም ትግራይ/ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት መማረፂ ዘይብሉ መንገዲ ከምዝኮነ አይጠራጠርን፡፡ ግን ድማ እዚ ፍፁማዊ መንገዲ ልምዓት ነቲ ዝተሓሰበ ልምዓትን ዲሞክራሲን ንከምፅእ ከማልኦም ዝግባእ ብዙሓት ረቋሒታት አለው፡፡

እቲ ሓደን ቀንድን ረቋሒ ልምዓታዊ መንግስቲ ናይ ፖሊሲ ነፃነት ክህልዎ ምግባር ወይድማ ከም ዘለዎ ምርግጋፅ ምክኣል እዩ፡፡ እዚ ነፃነት መንግስቲ ካብ ደገን ውሽጢን ሓይልታት ክከውን ይክእል፡፡ ካብ ደገ እንትንብል ምናልባት ካብ ሓያላት ሃገራት(ድጋፍን ልቃሕን ወሃብቲ)፤ዓበይቲ ኩባንያት ንግዲ ወዘተ እንትከውን፤ካብ ውሽጢ ድማ ካብ ኪራይ አከብቲ ብዓል ሃብቲታትን ካልኦት ፍሉይ ጥቅምን ድልየት ዘለዎም ክከውን ይክእል፡፡ ካብዚቶምን መሰል ሓይልታትን ነፃ ዘይኮነ መንግስቲ ልምዓታዊ ስራሕቲ ክሰርሕ አይክእልን፡፡ የግዳስ ነቶም ደገፍቱን ቁርዲታትን ጥቅሚ ጠጠው ብምባል ጥቅምታት ህዝብታትን ሃገርን አሕሊፉ ንውስናት ሰባት/ጉጅለታት ይህብ ማለት እዩ፡፡ እዚ ዓይነት መንግስቲ ብገለ-ሓይልታት ዝተተሓዘ( capture ዝተገብረ) ይብሃል፤ብባህሪኡ ድማ ልምታዓዊ ክከውን አይክእልን፡፡

እቲ ካሊእ ጥንኩርን እንታይነት ልምዓታዊነት ዝተረድኦ ቆራፅ መራሒ የድልይ እዩ፡፡ እዚ ካብቶም ቀንዲ ማዕገራት ልምዓታዊ መንግስቲ ሓደ እዩ፡፡ ጥንኩር መሪሕነት ህዝብታት አብ ሓደ ጥሙር ናይ ልምዓት ስራህቲ ተስማዕሚዑ ንክዋፈር፤ብሄራዊ ሓድነት ንክጠናከር፤ሃብቲ ህዝብን መንግስትን ናብ ልምዓታዊ ፕሮጀክታት ንክውዕልን ዝኣመሰሉ ውሳነታት ንክውስን አድላይ እዩ፡፡ ካብዚ ብተቃራኒ ዝኮነ መሪሕነት ግን እንኳዕ እዚ ኩሉ ተግባራት ክፍፅም፤መጫወቲ ሃፋትምን ናይ ወፃኢ መንግስታትን እዩ ክከውን፡፡ ስለዝኮነ አብ ልምዓታዊ መንግስታት ግደ ጥንኩርን ቆራፅን መሪሕነትን አዝዩ ዝላዓለ እዩ፡፡አብዚ ፅሑፍ ህልው ኩነታት ክልልና/ሃገርና ብመዳይ ናይ ፖሊሲ ነፃነትን ፤ምህላው ጥንኩር መሪሕነትን ብሓፂሩ ንምድህሳስ ክሙክር እየ፡፡

ድሕቲ ምውዳው ደርጊ ሃገርና ሓድሽ ቅዲ መንግስታዊ ምሕደራን ኢኮኖሚያዊን ኣተሓሳስባ ክትክተል ክኢላ እያ፡፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ተሃድሶ ልምዓታዊ ዱሞክራያዊ መንግስቲ ኣብ ተግባር ውዒሉ፤በዚ ድማ ርኡይ ቁጠባዊ ለውጢ አምፂኡ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ጉዕዞ መንግስቲ ካብ ወፃኢ ሃገራት በፍላይ ድማ ካብ ምዕራባውያ መንግስታትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ሰፍ ዘይብል ናይ ፀቅጢ በፂሕዎ እዩ፡፡ ብፍላይ መንግስታዊ ናይ ልምዓት ትካላትና ንውለቀ ብዓል ሃፍቲ(ብኻሊእ ኣበሃህላ ንምዕራባውያን በዓል ማላት) ንክሽወጣ ድፊኢት ይበፅሐና ነይሩ እዩ፡፡ መንግስቲ ምስ ወፃኢ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ዝገብሮ ናይ ሓገዝን ልቃሕን ከይድታት እዚ ጉዳይ ማዕከል እቲ ርክብ ከምዝነበረ፤ ሐዚ እውን ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡ ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣእማኒ መርትዖ ብምቅራብ ዝበፅሖ ዝነበረ ፀቅጢ ክፃዎሮ ክኢሉ እዩ፡፡ ነዚ ድማ ክውንነት ድማ ምህላው ጥንኩር መንግስትን መራሒን ዓብይ እጃም አለዎም፡፡ መንግስትና ናይ ፖሊሲ ነፃነትቱ(ብካሊእ አገላልፃ ግዳማዊ ሉኣላዊነቱ) በኣንፃራዊነት ንክሕሉ ካብ ዘክአሎ መንገዲ እቲ ካሊእ መሳሪሒ ኣብ ዓለም ዝተፈጠሩ አማራፂ ወይድማ ሓድሽ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ዋልታት እዩ፡፡ በዚ አንፃር ከምእኒ ቻይና፤ብራዚል፤ደቡብ ኮርያ፤ቱርክን ካልኦት ሓደሽቲ ሃገራት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡፡ እዚ ሓቂ ድማ ከም እኒ ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ካብ ናይ ምዕራብ ፀቅጢን ቅድመ-ኩነታተን ትንፋሽ ንክረክባን በዚ ኣቢለን ድማ ናይ ፖሊሲ ነፃነትን ሓልየን ንክከዳ ፈቂዱለን እዩ ምባል ይከኣል፡፡

ናይ ፖሊሲ ነፃነት ንክሕሎ ኣማራፂ ናይ ልቃሕ መንገዲታት ምርካብን ጥንኩር መንግስቲ ምህላውን ግድን እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ድማ እዚኦም ክልተ ረቋሒታት ኣጣሚራ ሒዛ ስለዝነበረት በዚ መዳይ ዕውቲ ነይራ ማለት ይከኣል፡፡ ድሕሪ መስዋእቲ መለስ ዜናዊ እዚ ኩነታት ኣብ ባይታኦ ኣሎ ዶ ንዝብል ሕቶ ኣብዚ ምምላስ ቀሊል ኣይኮነን ፡፡ ብሓፂሩ ግን ከም ናተይ እምነት ኣብ ባይታኡ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ልምዓታዊ መንግስቲና ከም ቀደሙ ውፅኢታዊ ንክከውን መንግስቲ ጥንኩር ኮይኑ ናይ ፖሊሲ ነፃነቱ ክሕሉ ይግባእ፡፡