“ምፍልላይ ፅቡቕ ከይኑ ኣይኮነን። ግን ካብ ምሟት ይሓይሽ።…ኣነ ሃገር ኣይንደልን ኣይበልኩን። ሃገር ዘየድልዮም እትሃልዮም ግን መስርሕ ኣለዎ እየ ዝበልኩ።” መምህር ሙሉወርቂ ኪ/ማርያም

ኣብ ህልው ሃገራዊ ኩነታት፤ ብፍላይ ድማ ግድ ተጋሩ ኣብ ህንፀት እዛ ሃገር ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ፣ ከምኡ ድማ ሎሚ ኣብ ልዐሊ ተጋሩ ብዛዕባ ዝበፅሑ ዘለው በደላትን መፍቲሒታቶምን ብዝምልከት መምህርና መምህር ሙሉዎርቂ ኪዳነማርያም ሰፊሕ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ጋዜጠኛታት ነጋ ዘርኡ ን ኣቤል ጉዕሽ ን እዮም እቲ ቃለ መጠይቕ ገይረምዎ እሞ ንዕኦም ንመምህርን እናመስገና ሰናይ ንባብ ንብል።

ውራይና፦ መምህር ናብ ጥንተ ታሪኽ ምልስ በልሞ ምስረታ ናይዛ ሃገር ግደ ተጋሩን ኣስፍሕ ኣቢልካ ብምዝርዛር ጀምረልና?

መምህር ሙሉወርቅ፦ ናይ መንግስትነት ታሪክ ክንዛረብ እንተኾይንና፤ ኣብዛ ሃገር እቲ ኣብ እዘን ናይ ሎሚ ትግራይን ኤርትራን ዝነበረ ዘይተቋረፀ ምሕደራ እዩ እቲ ናይ መጀመርያ ግኑን መንግስቲ። ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ግን ስፍሓቱን ዕምቆቱን ኣፀቢቑ ክሳብ ሎሚ ዘይተገልፀ፤ ብደረጃ ዓለም ስልጡን ዝብሃል፤ ምሁራዊ ዝኾነ ስልጣነ (litrate civilization) ዘፍረየ፤ ታሪኹን ልምዱን እምነቱን ኣብ ፅሑፍ ዘስፈረ፤ ብዙሕ ቅያ ዝገበረ’ሞ ምስ ናይቲ እዋን ሓያላት መንግስታት ዓለም፤ ጥንኩር ርክብ ዝነበሮ መንግስቲ ዝተመስረተ ኣብዚ ከባቢ እዩ።

ናይ’ዚ መንግስቲ’ዚ ታሪክ ሓደ ሓደ ሻዕ ኣብ ኣተረጓጉማ ንፀቢብ ቦታ ከምዘገልግል ተባሂሉ ይትርጎም። ሓደሓደሻዕ ድማ ሓዋሳይ(inclusive) ክኸውን እናተባህለ ንዝምልከቶን ዘይምልከቶን ደሪብካ ምሃብ ውን ኣሎ። ኣብዚ ሕዚ ሰሜን ኢትዮጵያ እንብሎ ከባቢ (ንኤርትራ ዝሓወሰ) ባዕሎም ንባዕሎም ዝገልፁሉ ፅሑፍ ዝነበሮም ስልጡናት ምምሕዳራት ነይሮም እዮም። ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ናይ ኢዛና ታሪኽ ጥራሕ አኳ እንተርኢና፤ ንጉስ ኣኽሱም፣ ሄሚያር፣ ቤጋ፣ ኢትዮጵያ፣ ካሱ ወዘተ ዝብል እዩ ነይሩ። ስለዚ እታ ብኢዛና ኢትዮጵያ ትብሃል ዝነበረት ፤ ምስዛ ናይ ሕዚ ኢትዮጵያ እትገጥም ኣይነበረትን። ኢዛና ከም ንጉስ ኢትዮጵያ ተገይሩ ክውሰድ እንከሎስ፤ ኢዛና ዝገዝኦ ዝነበረ ቦታን ህዝብን ኣየናይ እዩ ዝብል ብዙሕ ዘይፈለጥናዮ መፅናዕቲ ዘድልዮ እዩ።

መንግስቲ ኣኽሱም እዩ ስልጡን ዝነበረ ኢልና ክንዛረብ ከለና በቱ ዝረኸብናዮ ቅርስታት ኢና ንዛረብ ዘለናምበር ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣብነት 700 ገዛውቲ ዝነበሮ ናይ ማይ ኣድራሻ ( ዓዲ ጃራ ማራ) ኳዕቲ ምስተኻየደ ድማ ቅድሚ ኣኽሱም ዝነበረ ታሪክ ዝተወደበ ሕብረተሰብ ተረኺቡ ኣሎ። ገና ካልኦት እውን ኣብ ከይዲ ክርከቡ ይኽእሉ። እዙይ ብድምር ዘርእየና ኣብዚ ከባቢዚ ውዕውዕ ስልጣነ ከምዝነበረ እዩ። ንኽልተ ኣውላዕሎ እንተመፂእና ናይ ጋዕዋ ታሪኻዊ ቦታ ኣሎ። ገለ ሰባት እቲ ናይ ጋዕዋ ታሪክ ምስ ዮት ጉዲት የተሓሕዝዎ እዮም። ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተበገሰት ምኳና ዝገልፁ’ውን ካልኦት ፀሓፍቲ ታሪክ ኣለዉ። ብዝኾነ ብግእዝ ፤ ብግሪክ፤ ብሳባውያን ዝተፃሕፉ ቀዳሞት ስልጣነታት ኣለዉና። ክሳብ ታሽዓይ ክፍለዘመን ዝነበረ ናይ ኣኽሱም ስልጣነውን ብብዙሓት ቅርስታት መንነቱ ዘረጋገፀ ታሪኽ ኣለና።

ዳሓር እቲ ስልጣነ ካብ ኣኽሱም ናብ ከባቢ ላሊበላ ምሕላፉ፤ ኣብ ላሊበላ ከዓ ናይ ዛግዌ ዝብሃል ስርወ-መንግስቲ ከምዝመፀ ይፍለጥ እዩ። ዛግዌ ግን ናይ መንግስቲ ኣኽሱም ወራሲ ድዩ ኣይኮነን? ኢልካ ምዝራብ ሕዚ፤ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ዋሕዚ ታሪኽ ንምፅብባቕ እንተዘይኮይኑ፤ እንታይ እዩ ትርጉሙ? ናይ ላሊበላን ኣኽሱምን ዝብል ታሪኽ ኣፀቢቕካ ክምርመር ዘለዎ እዩ። ኣብ ላሊበላ ናይ ኣኽሱምን ገረዓልታን ይሓን ዝኣመሰሉ ፍልጠታት ሒዙ ዝተመስረተን ዝተሃንፀን ህንፃታት ከምዘሎ ፈፂምካ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዙይ ፅልዋ ድዩስ ቀጥታዊ ርክብ ንምባል ግን ኣፍካ መሊእኻ ዘዛርብ ኣይኮነን። ብድሕሪዚ ኣብ ከባቢ ወሎ ኣማራ ሳይንት ዝበሃል ከባቢ ዝተልዓለ ነቲ ስርወ መንግስቲ ዛግዌ ዘውደቐ ምንቅስቓስ ድማ ካልእ ሳልሳይ እዩ ነይሩ።

ንኻልኦት ኣሰኵኑ ንባዕሉ ማእኸል ኮይኑ ዝተመስረተ ይኩኖ ኣምላኽ ኣብ ከባቢ ሽዋ ዝጀመሮ ዘመነ መንግስቲ ነይሩ እዩ። ዘመነ መንግስቲ ይኩኖ ኣምላኽ ኣብ ኣዋሳኒ ከባብታት ሽዋን ወሎን ክጣየሽ እንተሎ፤ ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ህዝብታት ሰላማውን ግጭታውን ርክባት ነይርዎ። ሕዚ እዚታት ብምጥባቕ ኢና እቲ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ እነለጋግቦ። ነዞም ነገራት በበይኖም’ዶ እንተነፅንዖም ምሓሸ ወይስ ስቕ ኢልና ቀባቢእና ናይ ነዊሕ ዘበን ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ኢልና ንፍጠር ዝብል ንባዕሉ ዝኸኣለ ብዙሕ ክርክር ዝላዓሎ ጉዳይ እዩ።

ብዘይከሓድ መንገዲ ግን እቲ ናይ ኣኽሱም ስልጣነ ዓብይ ስልጣነ ከምዝነበረ ምስቶም ሽዑ እዋን ዝነበሩ ምስ ሮምን ካልኦትን ሓያላት መንግስታት ዓለም ርክብ ዝነበሮ ፤ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሩ’ውን ዓበይቲ ፅልዋታት ዘሕደረ መንግስቲ ብምንባሩ ኣብዚ ከባቢና ፅልዋ ኣየሕደረን ክብሃል ኣይኽእልን። እዚ ከዓ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዓለም እውን ዝተገብረ እዩ። ንኣብነት ላቲን ኣብ ሓደ ከባቢ ተጀሚሩ ናብ ሰፊሕ ቦታ ተዘርጊሑ ፅልዋ አሕዲሩ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ግእዝን ትግርኛን ጥንታዊ ስልጣነ እውን ከምኡ ፅልዋ አሕዲሩ እዩ። ሰብ ህይወቱን ስርሑን ከቕልለሉ ዝኽእል ነገር ኣንቶኒ ካብ ጎረቤቱ ይልቃሕ፣ ይወርስ ወይ ይመሃር እዩ። ብሓፂሩ ወዲ ሰብ ካልእ ዘጥረዮ ነገር ምእንቲ ባዕሉ   ክብል ክወስድ ባህሪያዊ እዩ። ዳሕራይ ብግእዝ ዝተፃሕፈ እምነታትናን ኣተሓሳስባታትናን ኩሉ ቀስ እናበለ ይሰርፅ ስለዝነበረ ካልኦት ካባና ተቐቢሎም ተጠቒሞምሉ ክንብል ንኽእል።

ኣብ ሽዋ ዝተመስረተ መንግስቲ ካብ 1270 ክሳብ 1520 ዓ.ም ፀኒዑ ብዙሕ ዓመታት ፀኒሑ እዩ። ኣብቲ እዋን ከዓ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኣብ ከባቢ ትግራይ ዝወፀ   ማሕበረሰባዊ ህይወት ብሃይማኖት ብባህሊ ብስነፅሑፍ ንምትሕንፋፅ ብዙሕ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ታሪኽ ይነግረና። እቲ መንግስታዊ ምሕደራ እውን ካብቲ ናይ ኣኽሱም ዝተወርሰ እዩ ብዝብል እምነት ቅርፁን ስነ ስርዓቱን ( ዝነበረ እናሃለወ ሓዱሽ ምመሃዝ ስለዘየድልየካ) እዙይ ናትና እዩ ብዝብል ዝቐፀለሉ ኩነታት ኣሎ። ስለዚ እቶም ኣብ ታሪኽ ዝተኸሰቱ ነገራት ንርእሶም ዝኸኣሉ ድዮም ዝተወራረሱ እዮም ኣብ ዝብል ምልቋም ታሪክ ብዙሕ መፅናዕቲ ክግበሮ ዝግባእ እምበር ከምዘሎ ከም መንፈሳዊ ፅሑፍ ብዝሸምደድካዮ ክትኣምኖ ዝግባእ ኣይኮነን።

ኩሉ ሓደ እንተዝነብር እወይ ብልሙፅ መንገዲ እንተዝኸይድ እማ፤ ንኣብነት ናይ ንጉስ ዓምደፅዮን ወራር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣይመድለየን። ሓደ እንተዝኸውን ወይ ነይሩ እንተዝፀንሕ ንናይ ባዕልኻ ዓዲ ከመይ ኢልካ ይውረር? ትግራይ እውን ነቲ ክጎብጦ ዝመፀ ሓይሊ ኣብ ጎቦታት እምባስነይቲ ገቲሩ ንዓምደፅዮን ተኸላኺሉ ከምዘይስኮን ዘመስከረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ። በቢኸባቢኡ ዝነበሩ መራሕቲ ወይ ሓያላን ትግራይ፤ ነቲ ህዝቦም ኣተሓባቢሮም ኣይናትናን ንዝበልዎ ወራሪ ዝመከትሉ ኩነታት ነይሩ። እዚ ታሪክ እዩ። ዓምደፅዮን ዘንቀዶ ወራር ብሓይሊ ክኾነሉ ስለዘይከኣለ ነቲ ኩነታት ብዕርቂ ንክውድኦ፤ ሓፍቱ ብመውስቦ ሂቡ፤ ኣብ ጉዳዮምን ምሕደረኦምን ጣልቃ ከይኣተወ ከባቢኦም ባዕሎም ከመሓደሩ ብዝተሰማመዐሉ ጉዳይ እዩ ተወዲኡ። ስለዚ ዓምደፅዮን ኣገቢሩ እዩ ክትብል እንተኾይንካ ኣየገበረን። ሽዑ ዝነበሩ ገዛእቲ ትግራይ (ብጥቕላል ትግራይ ትግርኚ) ባዕሎም እናሾሙ መገዛእ ቦትኦም የመሓድሩ ዝነበሩ ምኳኖም ዝምስክሩ መፃሕፍቲ ታሪኽ ኣለዉና። ነዚ ዝገልፁ መፃሕፍትና፤ ስዩማነ ሰርዌ፤ ስዩማነ ፀለምት፤ ስዩማነ ፀገዴ፤ ስዩማነ ሰርዌ፤ ስዩማነ ሓማሴን፣ ስዩማነ ሲሬ ወዘተ ዝብል ሽመታት ሂቦም ዘመሓደሩዎ ፍሉጥ ከባቢ ነይርዎም። እዚ ተተመጢኑ ዝተዋህበ ምምሕዳር ከምዝነበረና የርኢ። እዚ ድማ ዘይከሓድ ነዊሕን ምእኹልን ዓርሰ ምምሕዳራዊ መንግስቲ ከምዝነበረና የረጋግፅ።

ኣብ ከባብታት 1520 ዓም ወራር ግራኝ ኣሕመድ ምስተፈጥረ፤ እቶም ብቕድሚት ኮይኖም ክሳብ ሽዋ ዘሚቶም ዝተዋግኡን እቲ ዝነበረ መንግስቲ ከይፈርስ ሓያል ምክልኻል ዝገበሩን ተጋሩ እዮም። እዚ ኣብ መፃሕፍቲ ታሪክ ዝሰፈረ እዩ። በዓል ጋዳ ሮቤል ዝበሃሉ ካብ እንደርታ ዝኸዱ፤ ኣዝማች ስብሓት ካብ ተንቤን፤ ካልኦት ካብ ሓማሴን ከይተረፈ ኩሉ ከይዶምስ ኣብ ሽምብራ ኩሬ ናይ ዝተዋግኡ ጀጋኑ ታሪክ ፕሮፌሰር ላፒሶን ኣይተ ይልማ ደሬሳን ዝጠቐስዎ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ናይ ግራኝ ዕንወት እናቐፀለ እንትመፅእ እንተሎ ፤ ሓያል ናይ ተቓውሞ ማእኸልን ስሕበትን ኮይኑ ዝፀንሐ ትግራይ እዩ። ኣብ ጨለቆት፣ ኣብ እምባሰነይቲ ፤ ኣብ ሰራዬ፣ ኣብ ሽረ፣ ኣብ ፀለምቲ ወዘተ ክንደይ ሰብ ብሃርበኝነት ከምዝወደቐ ብሰነድ ዝተፃሕፈ ሰለዝኾነ ይፍለጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ሓያል ምክልኻል ከምዝተገብረን፤ እምነቱን ስርዓቱን ንምልዋጥ ኣብ ዝተገብሩ ተደጋጋሚ ወራራት ባዕዲ ተወዲቡን ሓቢሩን ውዲታት ከምዝፈሸለን ይፍለጥ እዩ።

ግራኝ ካብ ዝመውት ንደሓር ገላውዲዎስ ውን ሽዑ ቁሩብ ፀኒሑ ስለዝሞተ፤ ድሕሪ ገላውዲዎስ ዝመፀ ሓዉ ሚናስ እውን ሓፂር ጊዜ ፀኒሑ ምስሞተ፤ ወዲ ሚናስ ሰርፀ ድንግል እዩ ነጊሱ። ሰርፀ ንግል ስልጣኑ ኣብ ደንቀዝ (ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ማእኸል ዝርከብ) ንመጀመርያ ጊዜ ናይ ጎንደር ዘመነ መንግስቲ ኢሉ ከጣይሽ እንተሎ፤ ነታ ዘጣየሻ መንግስቲ ከጠናኽራ ዝኸኣለ ካብ ትግራይ ብዝረኸቦ ትርኑዕ ደገፍ ነይሩ። ሰበይቲ ሰርፀድንግል እቴጌ ስነ ማርያም ንባዕላ ካብ ሽረ እያ። ኣመተ ሚኪኤልን ክርስቶሳዊትን ዝብሃላ ክልተ ደቁ ስለ ደገፍ ንትግራይ ተወሲበን። ክርስቶሳዊት ንደጃት ክፍለ ዋህድ ገዛኢ ትግራይን መስራቲ ዓድግራትን ንዝነበሩ ናብ ዓጋመ ተመርዕያ። እታ ሓንቲ ኣመተ ሚካኤል እትብሃል ጓሉ ድማ ኣብ መደባይ ኣቤትሁን ተስፋይ ንዝብሃሉ መስፍን ሂብዋ። እዚ ማለት ነቲ ዝምስረት ዝነበረ ዓብይ መንግስቲ ንምጥንኻር ምስ ትግራይ ዝተገበረ መውስቦ ከም ሓደ መስርሕ ተጠቒሙሉ እዩ። ነቲ ዳርጋ ተደምሲሱ ዝነበረ መንግስቲ መሊሱ እግሪ ክተክል ኣብ ትግራይ ሓያል ስራሕ ተሰሪሑ።

ኣብቲ እዋን ውግእ ገላውዲዎስ ባዕሉ ካብ ግራኝ ኣንሳሒቡ ናብ ከባቢ ተከዘ እንትበፅሕ ሰራዊቱ ወዲኡ ዳርጋ ዕስራ ሰላሳ ርእሱ እዩ ነይሩ። ንጉስ ሓበሻ መፂኡ ምስተባህለ ግን ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ለይቲ ካብ 8000 ንላዕሊ ሰራዊት ኣውፂኡ ደጊፍዎ። እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት እቲ ንጉስ ጨሪሱ ከይጠፍእሞ ሃለዋት እዛ ሃገር ከየብቅዕ ክብል ዝኸፈሎ መስዋእትነት እዩ።

ሕዚ ግን እቲ ኩሉ ታሪክ ሓሊፉ ከም ናይ ሓደ ሰብን ከም ናይ ሓደ ንጉስን ታሪክ እንዳተቖፀረ እዚ ገበሩ እዚ ደገሙ ዝብሃሉ ዘለዉ ፤ ነቲ ንዐኦም ደጊፉን መንግስትናን ህዝብናን ከይፈርስ ኢሉ ፈቖዶ ዓውደ ኹናት ዝተቓለሰን ዝተሰውአን ህዝቢ ትግራይ ምኳኑ ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ድማ ካብ መላእ ትግራይ ዝተውፃእፀአ ህዝቢ ዝፈፀሞ ቅያ እዩ።

ትግራይ ፍሉጥ ቦታን ህዝብን እዩ ነይሩዋ። ኢንሳይክሎፒድያ ኢትዮፒካ ብግልፂ ዘቐመጦ ካርታ ከምዘርእየና በቲ ጥንታዊ ዘበን ኢትዮጵያ ተባሂሉ ኣብ ካርታ ዘስፈረን ኩለንስ፤ ኣብ ዙርያ ኣኽሱም ኮይነን ዘማእኽልኣ እየን እምበር ካብኡ ወፃኢ ኣይኮናን።

ስለዚ ኢትዮጵያዊ መን እዩ? ክብሃል እንተሎስ ንሕና ኢና እዩ ክብሃል ዘለዎ። ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ንሕና ኢትዮጵያውያን ኢና ማለትስ እዚ ኹሉ ታሪኽ ዝሰራሕናን ዝተሸከምናን ኢና ማለት እዩ ካልእ የብሉን። ካብ ገለ ፀሓፍቲ እዛ ሃገር ንሕና ኢና ዝመስረትናያ ንሕና ኢና ደው ዘበልናያ ዘብሃል ነገር መሰረት ዘይብሉ ናይ ጉራን ሃልክን ዘረባ እዩ።

ድሓር እውን ናይ ጎንደር ዘመነ መንግስቲ ምስተመስረተ፤ ኣብኡ ዝነበሩ ሕንቁቓት መራሕቲ ብዝፈጠርዎ ኣፀጋሚ ፖለቲካዊ ኩነታት እቲ መንግስቲ ፀኒዑ ጠጠው ዘይብለሉ፤ ዝተወሰነ ህንፃታት ተሰሪሑ መንግስቲ ግን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣብ ምሸሓዳርን ወራር ገባርን ኣብ ዝዛወረሉ ፀገማት ይርኣይ ነይሩ። ቅልውላው እንትፍጠር ድማ ነዚ ንምርግጋዕ ደገፍ ተጋሩ ዝድለየሉ ኩነታት ወሳኒ ነይሩ። ተጋሩ ዘይሓበሩሉ ፀኒዑ ዝቐፀለ መንግስትነት ጎንደር ኣይነበረን። ወፃእተኛታት ፀሓፍቲ ታሪኽ ንራእሲ ወልደስላሰ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ   ከምዝነበሩ ይግለፅ እዩ። ንሶም ሽዑ ኣብ እንደርታ ኮይኖም ትግራይ ትግርኚ እዮም ይመርሑ ነይሮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም ኣብ ልዕሊ እታ ሽዑ ኢትዮጵያ ተባሂላኀ እትፅዋዕ ሃገር ዘመሓድሩ ዝነበሩ እዮም። እዚ እዩ ናይ ወለድድና ታሪኽ። ሐሰሳደ ሓ ጊዜ ኣብቲ ማእኸላይ መንግስቲ ተስፋ ክቆርፁ እንተለዉ ነቲ ማእኸላይ ወሰን ኣትሒዞም ትግራይ ከይትድፈር ዝገበሩሉ ኩነታት ነይሩ። ናይ ራእሲ ፋሪስ፣ ናይ ስሑል ሚኪኤል፤ ናይ ራእሲ ወልደስላሴ፤ ናይ ስባጋድስ ናይ ካልኦትውን   ታሪክ ንሱ እዩ። ኣብዚ ኩሉ እዋን ትግራይ ብናይ ባዕሉ ሓይሊ ባዕሉ ክኢሉ ዝመሓደርን በቲ ዝተገለፀ ኣገባብ ድማ ንካልኦት ዝሕግዝን እዩ ነይሩ፤ ምእንቲ እታ ንሱ ዝፈጠራ ኢትዮጵያ።

ድሕሪ ስባጋድስ፤ ናይ ትግራይ መስፍን እየ ብዝብል ውቤ (ደጃት ውቤ) መፂኡ። ውቤ ንትግራይን ናይ ሕዚ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን ዝብሃል ከባብታት ብምሉኡ በርቍቝ ዘጥፍአ እዩ። ውቤ ሕማቕ በሰላ ዘምፀአ ምኳኑ ኣብ ናይ ደፍተራ ፍስሃ መፅሓፍ ከምኡውን ኣብቶም ዝውቱራት ኣበሃህላታት ህዝቢ ብጨካንነቱን ብክፍኣቱን ዘይርሳዕ ኮይኑ ንረኽቦ።

ትግራዋይ፤ ባህሉ ፤ ሃይማኖቱ፤ ታሪኹ፤ ልምዱ ዓቂቡ ዝመፀ እዩ። እዚ ናይ ትግራዋይ ቅያ ብሽም ኢትዮጵያዊነት እንተኸይዱ ነቲ ትግራዋይ እውን ደስ እዩ ዝብሎ። ናቱ እንድዩ፤ እቲ ናቱ ናብ ካልእ ክኸይድ እንተሎ’ሞ ካልኦት ክቕበልዎ እንተለዉ ናተይ እዩ ኢሉ ክሓስብ ይገብሮ። ደስ እውን ይብሎ። ስለዚ ኣብ ምስረታ እዛ ሃገር እዚኣ ዝነበሮ እጃም ወሳኒ እምነ ኩርናዕ እዩ።

ውቤ ምስወደቐ ናይ ሃፀይ ቴድሮስ ንግስና መፂኡ። ሃፀይ ቴድሮስ ነዛ ሃገር ሓደ ንምግባር ብዙሕ ፅዒሮም እዮም። እቲ ዝሰርሕዎ ተግባር ሓድነት ኣምፂኡ ዶ ኣየምፀአን? ምባል ካልእ ነገር ኮይኑ፤ ዘይከሓድ ግን ኣተሓሳስበኦም እንትርአ ሓድነት ይደልዩ ነይሮም እዮም። ሓድነት ብምድላዮም ነቲ ሽዑ ዝነበረ ህልዊ ኩነታት ብዘይምግንዛብ ምስ ኩሉ ስለዝተተናኸፉ፤ ኣብ ሽግር ኣትዮም እዮም። በቲ ሓደ ወገን ግን ሃፀይ ቴድሮስ ብወገን ትግራይ ፅቡቕ ተቐባልነት ረኺቦም ነይሮም እዮም። ፅቡቕ ተቐባልነት ዝረኸቡሉ ምኽንያት ውቤ ዝኣክል ገስረጥ ኣመሓድራ ዘልገሱሉ ንሶም ስለዝነበሩ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ንሃፀይ ቴድሮስ ከም ሓራ መውፅኢ ገይሩ እዩ ሓሲብዎም ነይሩ። ምስ መሳፍንቲ ትገራይ ተሳንዮምዶ ኣይተሳነዩን ካልእ ጉዳይ እዩ። ንትግራይ ግን ሰላም ሂቦምዋ ፤ ቀደሙውን ቴድሮስ ዝብሃል ንጉስ ክመፅእ እዩ፤ ምስመፀ’ውን ሰላም ክኸውን እዩ ዝብል ትንቢት ይውግዓሎም ስለዝነበረ ብዛዕብኡ እዩ ይሓስብ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ሃፀይ ቴድሮስ ምስ ብዙሓት ተተናኺፎም። ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ መዓልቶም ዘይጠለሞም ትግራዋይ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ናይ መወዳእታ ገዛኢ ትግራይ ዝነበሩ ራእሲ ኣርኣያ፤ ካብታ ሽዑ ዝለዓለ ግብሪ ዝነበረት ትግራይ፤ ግብሪ ፅዒኖም ኣብ መቕደላ ንዝነበረ ክወድቕ ረይረይ ዝብል መንግስቲ ሃፀይ ቴድሮስ ግብሪ ዘረከቡ ራእሲ ኣርኣያ እዮም። እዚ ንምንታይ የመላኽት? ኣብ ታሪክ ትግራዋይ ሃገረይ ዘይበለላ እዋን ስለዘይነበረት ምዃና እዩ።

ራእሲ ኣርኣያ ካብ ትግራይ ዝወሰድዎ ግብሪ ሂቦም ምስ ሃፀይ ቴድሮስ ብሓደ ምሳሕ ምስበልዑ ግን ቴድሮስ፤ ብናይ ባዕሉ ጉብጦ ነቲ ግብሪ ተቐቢሉ ከምዝእሰሩ ገይርዎም። “ ዝኹሉ ግብሪ ሒዘ መፂኤ ታይ በዲለ ትኣስሩኒ?” ክብሉ ከለዉ፤ ሃፀይ ቴድሮስ “ ዝበደልካኒ የብልካን። ግን ድማ ጅግና ኢኻ። እዚ ኹሉ ሰብ ጠሊሙኒ ኣብ ዝሸፈተሉ እዋን ግን ንዓኻ ጥራሕ ከመይ ኢለ እየ ዝኣምነካ። ጠርጢረካ እየ ዝኣስረካ” እዮም ዝበልዎም። ብሓፂሩ ትግራይ ንሃፀይ ቴድሮስ ዘይጠለመ፤ መንግስቲ ሃፀይ ቴድሮስ ከይወድቕ ዝገበረ፤ ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ’ውን ግብሪ ሒዙ ዝኣተወ ትግራይ እዩ።

ታሪኽ እናተበረዘ እናተፃሕፈ ግን ትግራይስ ምስ ጥልመት ኣራኺብካ ምርኣይ ጌጋ እዩ። ቴድሮስ ንዝኣመኖን ንዘይኣመኖን ክኣስር ምስጀመረ በቲ ናይ ትግራይ ባህልን ልምድን ወሲድካ ሰብካ እንትግፋዕ ክውሰድ ዝነበሮ ስጉምቲ ተወሲዱ። ሃፀይ ቴድሮስ ንራእሲ ኣርኣያ ምስኣሰርዎም ትግራይ ኣመሓዳሪኣ ትስእን ነይራ ማለት ኮይኑ። ስለዚ እቶም ተኸተልቶምን ቤተ ዘመዶምን እንተሸፈቱስ ባህሪያዊ እዩ። እዚ እናተፈለጠ ከም ዓብይ ፖለቲካ ተገይሩ እናተወስደ ንፀለመ ትግራይ ክሳብ ሎሚ ዝጥቀሙሉ ዘይረብሕ ሰበብ ኮይኑ።

ትግራይ ኣመሓዳሪኣ ምስተኣስሩ፤ እሞ ምስቲ ርእሳ ዝኸኣለት ምሕደራ ሒዛ ምፅንሓ ተደሚሩ እዚ እንትድፈርስ እንታይ ድኣ እዮም ክገብሩ ነይሮም? እምበር ሃፀይ ቴድሮስ ንትግራይ ፈለማ እንትኣትዉ፤ ዝገበርዎ ውግእ ኮነ ዝገጠሞም ምክልኻል ኣይነበረን። ብሰላም ኣትዮም ብሰላም እዮም ወፂኦም። ራእሲ ኣርኣያ ‘ውን ዳሕራይ ተኣሲሮም እንተለዉ፤ ንምእሳሮም ከም ቂም እንተይቋፀሩ፤ ንሰበይቲ ሃፀይ ቴድሮስ “ፀላኢ ሃፀይ ቴድሮስ በዚሑ ኣሎ’ሞ ኣብዚ ተፃብኦ ከይረኽበክን ምስ ደቅኽን ንዓድና ንትግራይ ንዓናይ” ኢሎም ራእሲ ኣርኣያ እዩ ዝዝንተው። እሱር ከም ምንባሮም ሕነ ክፈዲ ኣይበሉን። ንሰን ኣብ ጨለቆት ምስበፅሓ እየን ዓሪፈን። ክሳብ ሎሚ ኣብ ጨለቆት መቓብረን ከቢሩ ይርከብ ። መቓብር ጓል ሃፀይ ሰርፀ ድንግል ክርስቶሳዊት ክሳብ ሎሚ ኸቢሩ ዝርከብ ኣብ ትግራይ ጥራሕ እዩ። ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቖመ፣ ክፀንዕ ዝተጋደለን ካብ ሃይማኖት ብዘይንኣኣስ ዘኽብርን ህዝቢ ምዃኑ እዚ ታሪኩ እዚ ምስክር እዩ።

ትግራይ ታሪኩ ዝፈቱ ሃገሩ ዝፈቱ ህዝቢ እዩ። ብዛዕባ ትግራይ ጥልቕ ዝበለ ፍልጠት ዘይብሎም ሰባት ግን ኣብ ስርቂ ታሪክ ተዋፊሮም መነወርታት ከጋውሑ ይውዕሉ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ እትብሃል እዚኣ እያ፤ እታ ትግራይ እትብሃል ኢትዮጵያ እያ ካልእ ነገር የብላን። ቀዳመይትን ዳሕረወይትን ብዛዕባ ዝበሃላ ኢትዮጵያታት ዘይፈልጡ ሰባት ኣበርክቶን መሰረትነትን ትግራይ ንኢትዮጵያ ክፈልጡ ኣይኽእሉን።

ድሕሪ ሃፀይ ቴድሮስ ሃፀይ ዮሃንስ እንታይ እዮም ገይሮም?

ናይ ሃፀይ ዮሃንስ ታሪኽ ድሙቕ ናይ ትግራይን ናይ ኢትዮጵያን ታሪኽ እዩ። ናይ ሃፀይ ዮሃንስ ታሪኽ ምዝራብ ትግራዋይ ስለዝኾኑ ከም ፀቢብ ብሄረተኛ ተጌርካ ይሕሰብ። ሃፀይ ዮሃንስ ንትግራይ ፈልዮም እዚ ገይሮምላ ዝበለ የለን ። ትግራይ እማ መከራ እዩ ፀይሩ። ንሶም ንዝኣመኑላ ኢትዮጵያ እግሪ ንኽትተክልን ከይትወድቕን ን17 ዓመታት ኣብ ዝወፈሩሉ ወፍሪ ፈቖዶ ዓውደ ውግእ ዝተጋደለን ዝረገፈን ህዝቢ ትግራይ እዩ። በቲ እዋን ኣብ ዝነበሮ ውሑድ ህዝቢ ርኢኻ ክሳብ 200 ሽሕ ዝበፅሕ ሰራዊት ኣኽቲቱ ባዕዳውያን ወረርትን ናይ ውሽጢ ዓዲ መኹረምበጦ መሳፍንትን እንዳፀፍዐ ሃገር ፀኒዓ ክትቀውም ገይሩ። ንግብፂ ብተደጋጋሚ ኣብ ዓውደ ውግእ ስዒርናያ ተባሂሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንገር ዘሎ ታሪክ ናይ ህዝቢ ትግራይ ቅያን ጅግንነትን እዩ። እሞ ድማ ክሕደትን ጥልምትን ተፃዊርካ ዝተፈፀመ ቅያ።

ስለዚ ትግራይ ተጠቒሙ እዩ ዝብል እንተልዩ ናይ ዓያሹ ክትዕ እዩ ክኸውን። ምስቲ ኩሉ ጥልመትን ሽግራትን ትግራይ ዓዲ ከይትፈርስ ዝፈፀሞ ተጋድሎ ናይ ታሪኽ መፃሕፍቲ ገንፂልካ ዝርአ እዩ። ክንሕግዝ ኢሎም ዝመፁ መሳፍንቲ ፤ ሃፀይ ዮሃንስ ምስ ግብፂ እንትዋግኡ፤ ቱርኪ ምስ ቱርኪ ይዋጋእ ግደፍዎ ኢሎም። ርዒዶም ብህድማ ዓዶም ዝተመልሱ ኣለዉ እዮም። ሃፀይ ዮሃንስ ምስ ግብፂ እንትዋግኡውን ምስባዕዲ ተሻሪኾም ክነጥፍኦም ኢና ዝበሉ’ውን እቶም ሕዚ ብዘይንሕና ኢትዮጵያ ኣይምነበረትን ዶ ኣይምሃለወትን ዶ ዝብሉ ዘለዉ እዮም። ስለዚ መን እዩ ኢትዮጵያዊ? ዝብል ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ሃፀይ ዮሃንስ ምእንተ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውደ ውግኣት እዮም ዝበዝሕ ህይወቶም ኣሕሊፎምዎ።

ናይ ግብፂ ተደጋጋሚ ወራር ኣፈሺሎም። ናይ ጥልያን ህንዱድ ትምክሕትታት ሰባቢሮም፤ ናይ ማህዲስት ወራር መኪቶም፤ ንባዕሎምውን ክሳብ መወዳእታ ህይወቶም ታሪክ ሰሪሖም ዝተሰውኡ ሰብ እዮም። እታ ንሶም ዝወደቑላ መሬት ዶብ ኢትዮጵያ እያ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ድሙቕ፤ ምዩቕ ዘየብልን ዘየሕፍርን ታሪክ ኣሎ።

ከምዚ ኢልካ ሓቂ ምዝራብ ተጨውዩ ናብ ፀቢብነት ይውሰድ። ካብ ታሪኽ ክንመሃር እንተኾይንና’ማ ሓቀኛ ታሪክ ክንፈልጥ ኣለና። እቲ ታሪክ ስቕ ኢሉ ንበይኑ ትርጉም የብሉን። እቲ ታሪክ ትርጉም ዝህልዎ ክተመሃረሉ ትኽእል እንተኾይንካ እዩ። ክትመሃረሉ እንተኾይንካ ሓቀኛ ክኸውን ኣለዎ። ቅድሚ ሕዚ ዘይንቡር ፅውፅዋይ እናተነግረ እዩ ክንመሃር ዝድለ ፀኒሑ። ዋእ እዞም ኩሎም ኣባሓጎታትና ዝተሰውኡሉስ ኣብ ዘሕፍር ነገር ድዩ እናበልና እንጠራጠረሉ ኣካይዳ ምሁሮ ነይሩ። እዚ ናይ ፀሓፍትን ኣመሃህራን ታሪኽ ጉድለት እዩ።

ሕዚ ናብ ሕልንኦም ዝተመልሱን ሓቀኛ ነገር ምርኣይ ዝጀመሩን ሰባት፤ እቲ ታሪክ ከምኡ ኣይነበረን ኢሎም፤ የልዕልዎ ኣለዉ። ታሪኽ ንረብሓ ስልጣኖም ንኸውዕሉ እንትደልዩ እቲ ዝነበረ ዓባይ ሃገር ናይ ምምስራት ቅያ መስዋእትነት ከምዝተኸፈሎ ዘይኮነስ ከም ብጉርሕን ጥበብን ዝመፀ ገይሮም የቕርብዎ። ኣብታ ባይታ ዝነበረት መስዋእትነት መን ከምዝኸፈላ እንትግለፅ ከም ተዓመተለይ ከዐሽወካ ኮይኑ ይቐርብ። እንድሕር ንሃገር ምውጋእ ዕሽነት ኮይኑ ድሓር ከ መን ይዋጋእ ? ንስልጣን ክብሃል ታሪኽ ምዝባዕ ይካየድ። ግርህነት፣ ጅግንነትን ፍቕሪ ሃገርን ዘተባብዕ ሜላ ሃደሽደሽ ኢሉ ይስበር።

ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስከ ዕድል እዛ ሃገር ከመይ ቀፀለ? ግደ ትግራይ ኸ?

ሃፀይ ዮሃንስ ምስሞቱ፤ እቲ ናይ ምእኹል ኣመሓድራ ስርዓት ዝብሃል መፂኡ ። ኣብኡ ብዙሕ ክንብሎ እንኽእል ነገር የለን። እቲ ናይ ትግራይ ቅልፅምነትን ማእገርነትን ንምፍራስ ኣብ ናይ ትግራዋይ ሕብረት ምዝማት ዝብል መፂኡ። ክቕበልዎስ ዘይክቕበልዎስ ኣብ ክልተ ገሚዖሞ ትግራይ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ብዙሓት ሰባት ናብታ ማእኸል ሕቶ ኣትዮም ኣይፈልጡን። ዕንክሊል እዮም ዝብሉ። መስፍን ወልደማርያም “ ሃፀይ ዮሃንስ ካብ ንጎንደር ዝዘምቱስ ንጥልያን ግዳ ዘይምመከቱ። ስለዚ ንሶም እዮም ንጥልያን ኣትሒዞሞ ከይዶም” ኢሎ ነቶም ግቡኦም ፈፂሞም ዝሞቱ ንጉስ ይወቅስ። ነዚኣቶም እውን ኢትዮጵያውያን ሊቃውንቲ ኢልና ዲና ክንሰምዖም? ብኻልእ ከም ሊቃውንትን ፈላስፋታትን ተገይሮም ይወሰዱ። ሃገራውነት ብኣፍ ለቢሶም ነዞም ሰባት እዚኦም ምቅዋም ከኣ ፀቢብነት ይበሃል። ሓቀኛ ታሪኽን ፀቢብነትን ፈላሊኻ ኣብ ዘይረአየሉ ኩነታት ኣቲና ፀኒሕና። መስፍን ወልደማርያም ደጋጊሙ ኣብ መፃሕፍቱ ኣብ ልዕሊ መርአያን ሓቀኛን ንጉስ ዘሚቱ እዩ። እዚ ንኢትዮጵያ ታይ ይጠቕማ ኣሎ? ኢልካ እንተሓሰብካ ዘይድኣካ ነገር እዩ።

ኣብቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፤ ዝጥቀሙን ዘይጥቀሙን ንምፍላይስ የግዲ ታሪኽ ምዝባዕ ድዩ ዘድሊ ኮይኑ! መዓዝ ብታሪኽ ኮይኖም መፂኦም እዞም ሎሚ ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት እዚኣቶም? ህዝቢ ኣንቀሳቒሶም ተቓሊሶም እዮም አኮ መፂኦም ዞም ሰባት። ዝኾነ ኣካል ንዐኦም ካብ ስልጣን ውረዱ ንክብል ታሪክ ምጥቃስ ኣየድልዮን። ታሪኽ ምጥቃስ ኣየድልን። ክንድቲ ዘለዎም ሓይሊ ምጥራይ እዩ ዘድልዮ። ወይ ንዓዓቶም በይዛኹም ግደፉልና ምባል እዩ እድንሕር ዝኸውን ኮይኑ። ክገድድ እንተሎ ድማ ኣብዚ ስልጡን ዘበን’ዚ ኮይኖም ብታክን ብበዝሕን ሃገር ክንመርሕ ዝተዓደልናን እንበቅዕን ኢና ዝብል ሙጉት ዝሓዙ ድሑራት እውን ኣለዉ።

ብዛዕባ ናይ ዓድዋ ኩናት ከ ከመይ እዩ ዘሎ ኣረዳዳኣና?

ኣብ ናይ ዓድዋ ኩናት ፀቢብ ርድኢት እዩ ዘለና። ኣብ ኵናት ድዋ ኵናት ታይ ተገይሩ ታይ ተፈፂሙ እንታይ ክሳራ በፂሑ ኣብ ዝብል ሕቶ ፀቢብ ኣረዳድኣ እዩ ዘለና። ክንዱ’ዙይ ወታደር ካብ ሓበሻ ክንዱ’ዙይ ወታደር ካብ ጥልያን መይቶም መወዳእትኡ ድማ ወረርቲ ተሳዒሮም ካብ ዝብል ፀብፃብ ንላዕሊ ዋላ ሓንቲ ነገር ተነጊሩ ኣይፈልጥን። ሽዑ ትግራይ ከም ትግራይ ዝበረሰ ምኳኑ ምንም ነገር ኣይጥቀስን። ኵናት ዓዲ ከምዘብርስ ንምፍላጥ ብፅቡቕ ኣብነት ካብ ታሪክ ኵናት ዓድዋ ክንመሃሮ ምተገበአ። 75% ናይ ዓድዋ ከተማ ህዝቢ ድሕሪ እቲ ጦርነት ብዝመፀ ሕማም ተላገብ ተወዲኡ እዩ ሽዑ። ፀሓፍቲ ብዘስካሕክሕ መንገዲ እዮም ገሊፆምዎ። ኣዛብእ ሽዑ ማዕሮ ነቲ ዝሞተ ሬሳ ገዲፎምስ ትኩስ ሰብ ንምብላዕ ክሳብ ገዛውቲ ኣትዮም ዓቕሚ ምኽልካል ዝተዳኸመሉ ክፉእ ዘበን ሓሊፉ። ትግራይ እዚ ኩሉ ዋጋ ከምዘይከፈለ ዕሸሽ ኢልካ ኣይከፈለን ኢልካ ዝነበሮ ታሪኽ ንምምንጣል ምድላይ ማለት፤ እቶም ካልኦትውን ከምኡ እንተገበርናስ ኣይንገረልናን ኢሎም ገና ንገና ሓሲቦም ንኽገድፉ ዝግባር እንበር፤ ብኣንፃር ታሪኽ ትርጉም ብዝህብ መልክዑ ኣይንገርን።

ንትግራይ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ፤ ካልእ ቀፃሊ ታሪኽ ንዝሰርሕ ኣፍልጦ ክረክብ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ። ዲሞክራስን ግዛዕን ንበይኑ ሃገር ኣይፈጥርን። ምውህሃድ ዘምፅእን ዘምህርን ታሪኽ እውን የድሊ እዩ። ድሕሪ ኵናት ዓድዋ ምስ ጥልያን ዝነበረ ጎንፂ ቁሩብ ምስዓረፈ፤ ትግራይስ ወሰን ኮይና። ተጋዳሊት ሓላዊት ዓዲ ማእኸል ስሕበት እያ ተባሂላ ግን ሓንቲ ዝተገብረት ነገር የላን። እታ ናይ ሚኢቲ ዓመት ጭቆና እናተባህለት ሕዚ እትግለፅ ዘላ ካብኣ እያ እትጅምር። ንትግራዋይ ኣብ ክልተ መቒሎም ክልተ ዓይነት ላዛ ትግርኛ ከምዝፍጠር ገይሮም። እዚ ነቲ ማእገር ኢትዮጵያ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ንኽደክም ዝገበረ እዩ። እቲ ሽዑ ዝተፈጠረ ክውንነት ንቀበሎ’ዶ ብኮሎኒያሊዝም ዝተፈጥረ ብምኳኑ ንግደፎ ምባል ካልእ ነገር እዩ። ቀደም ከምዚ ስለዝኾነስ ንሱ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ሕጊ የለን። ሃገር እትምስረት ብናይ ህዝቢ ስምምዕ እዩ። ሃገር ምንፃል ዋና ምሕዋስ ናይ ባዕሉ ናይቲ ህዝቢ ስምምዕ እዩ።

ኣብቲ ካልኣይ ወራር ኸ መምህር?

ኣብቲ ካልኣይ ውግእ 1928 ዓ.ም ምስ ጥልያን ዝተገብረ ተጋድሎ ድማ “ሰራዊት ጥልያን ብትግራይ ኣቢሉ እዩ ሰቲት ኣትዩ” ዝብሉ ኣለዉ። እንታይ ነይሩ? እንታይ ተገይሩ? ዘየልዕሉ እውን ኣለዉ። ብግልፂ እትፍለጥ ነገር ግን ኣላ። ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ግንቦት ን8 ኣዋርሕ እቲ ኵናት ምክልኻል ኣብ እንግዳዕ ጀጋኑ ትግራይ እዩ ነይሩ። ኩናት ዓድዋ ንብሎ፤ ኵናት ዳዕሮ ተኽሊ፤ ኩናት ዓጋመ፤ ኩናት ተምቤን፤ ኵናት እንደርታ፤ ኵናት እምባ ኣርዓዶም ኩናት ኣላጀ፤ ኵናት ማይጨው፣ ኵናት እንዳባጉናን ሰለኽላኻን ወዘተ ኣብ ትግራይ እዩ ነይሩ።

ብርግፅ ካብ ማእኸል ዝሕግዝ ኣይመፀን ኣይንብልን። ራእሲ ሙሉጌታ መፂኦም ኣብ እምባ ኣርዓዶም ዓሪዶም ነይሮም። ኣብ እምባርዓዶም ታይ ሽግር ገጢምዎም፤ ካብ ህዝቢ ከመይ ዝበለ ደገፍ ረኺቦም፤ ኣብቲ ኵናት ከ ክንደይ ትግራዋይ ተሰዊኡ? ዝፍለጥ ነገር እዩ ዝተፃሕፈ። ብዛዕባ ኣብ ተንቤን ዝተኻየዱ ገዘፍቲ ኵናታት ዝፍለጥ ነገር እዩ። ኣብ ናይ ተንቤን ኩናት ራእሲ ስዩምን ራእሲ ካሳን ዝመርሕዎ ሰራዊት እዩ ተዋጊኡ። ናይ ሽረ ኵናት ክብሃል ከሎ ራእሲ እምሩ ብኡ መፂኦም ዝብሃል እዩ ዝጥቀስ እምበር ደጃት ገረመድሂን ወዲ ራእሲ ባርያኡ እዮም ነቲ ሽረታይ ትግራዋይ ሰራዊት ዝመርሕዎ። ኣብኡ ዝሞቱ እፍተራርን ደገዝማትን መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ይፍለጡ እዮም። ኣብቲ ጥቓ ናይ ሓየሎም መቓብር ዘሎ ካልእ ሓወልቲ ብ31 ዓ.ም ኣንፃር ጣልያን ገጢሞም ከምዝተሰውኡ ናይ ዝነገረሎም ሓው ኣቦኡ ንሓየሎም ናይ ፊተዉራሪ ኪዳነ ማርያም ገብረእግዝኣብሄር መቓብር ሓደ ካብቶም ጀጋኑ ወለድና እዮም። መዓት ጀጋኑ ሽረ እዮም ተሰዊኦም። ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ትሕቲ ራእሲ ስዩም ተጠቕሊሉን ኢትዮጵያ ካብ ጉብጣን ወረራን ንምድሓን ኣንፃር ባዕዲ ተዋጊኡ ተሰዊኡ።

ብድሕሪኡ እተን ኵናት ኣንፃር ጣልያን አናተባህላ ዝጥቀሳ ናይ ወልወል ውግእ ተባሂላ ትጥቀስ ሓንቲ እያ። ትግራይ ዝገበሮስ ኣይተፈለጠሉን፤ ኣይተነገረሉን እውን። እቶም ኣብ ምብራዝ ታሪኽ ዝኣተዉ ሰባት፤ ንስኹም አሕሊፍኩም ምስ ሰደድኩምዎ ንሕና ተዋጊእናዮ ይብሉ። ኣብዙይ መፂኦም ዘይዋግኡ ዝነበሩ፤ ዓዶም እንድዩ ደኣ? ናይ ትግራይ ሰራዊት እኮ ጥንቲ ኣብ 16 ክፍለዘመን ማእኸል ሽዋ ኣትዩ ተዋጊኡ እዩ። ንምንታይ ኢትዮጵያ ናቱ ስለዝኾነት። ከምኡ እንተኾይኑ ንሳቶም እውን እንተዝመፁ ንቡር ምኾነ።

ብሓፂሩ ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝተዋግእዋ ውግእ ፍርቂ መዓልቲ ጥራሕ እንትትነብር ብግልባጡ ግን ናይዚ ኹሉ ሃገራዊ ሰራዊት ዝነበረ ዕጥቁ ዘፍትሕ ስጉምቲ ህድማ እዮም ከይዶም። ስረ ኣፍቲሖሞ እዮም ከይዶም። ንሶም ንሽዋ እናሳበሩ እንትሃድሙ ትግራይ ግን እምባታት ፀለምቲ ሒዙ እዩ ምክልኻል ቀፂሉ ነይሩ።

ግደ ትግራይ ኣብ ህንፀት እዛ ሃገር፤ ድሕሪ ሃፀይ ሃይለስላሰ ኸ?

ተመሳሳሊ ኣበርቶ እዩ ቀፂሉ። ነዚ ኩሉ ዝገበረ ትግራዋይ፤ ታሪኹ፣ ሃይማኖቱን እምነቱን ኢትዮጵያ ክትምስረት ኣለዋ ዝብል ስለዝነበረ እዩ። እዙይ ኢልና ካብ ዘመነ ምኒሊክ ጀሚሩ ትግራይ ኣይጠዓመንን ዝብል ብዙሕ መግለፅታት ነይሮም።

ነዚ መግለፅታት ወሲዳ ወፅዓታት በዚሖም ብዝብል ህወሓት ተፈጢራ ክሳብ ዓወት ዝቐፀለ ቃልሲ ተኻይዱ። እቲ ናይ ተጋሩ ናይ ምቅዋም ኣካይዳ ብዝተፈላለየ መንገዲን ውዳበን ይኸይድ ነይሩ። ኢህኣፓ እውን ደቂ ትግራይ አዮም መሪሖሞ። ንምንታይ ኣብዚ ኩሉ ለውጢ ተጋሩ መሪሕነት ሒዞም ክኣትዉ ይደልዩ ክብሃል እንተሎ፤ እቲ ኣብዚ ዝፀንሐ ፀገም እዩ ናብኡ ዝመርሖም። ኣብ ዝተፈላለየ መንገዲ ምምቓሎም ፀገም እንተነበሮ እኳ ሽግር ክህልዎ እኳ እንተኾነ፤ ናብቲ ለውጢ ምእታዎም ግን ፀገማት ህዝቢ ስለዝተረደኦም እዩ። ክሳብ ናብ ጀብሃን ሻዕቢያን ኣትዮም ዝቃለሱ ተጋሩ ነይሮም።

ንህወሓትኮ ፀባብ ኣንጭዋ ገጠር ግዛዕምዛዕ እናተባህለ ክንደይ ሽማሽም ተዋሂብዋ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ንደርጊ ደምሲሳ፤ ኢትዮጵያ ከመይ ኢላ ብሓደ ትንበር ዝብል ፕሮፖዛል ሒዛ ቀሪባ። ምሳኹም ዘንብረና ዝሓውሰና ነገር የብልናን ኣይበለን። ሕዚ ነቲ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ዝብል ሓላፍነት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ፆር ክስከም ገይርዎ ዘሎ እዚ ታሪኽ እዚ እዩ። ነቶም ንሓድነት ኢትዮጵያ ብዝብል ምስ ውደብ ህወሓት ዝተሰለፉ ውድባት ውን ካብታ ዘይነበረቶ ድራርን ምሳሕን መቒሉ ዝሓብሓቦም ህዝቢ ትግራይ እዩ። ተሰዊኦም ከይውድኡ ኣብ ክንድኦም እናተሰወአ እዩ ሃገር ሃኒፁ።

እዚ ዝገበረ ህዝብስ እንታይ ይፍደይ ኣሎ? ዝብል እየ ኣብ ዝሓለፈ ኣጀንዳ ዘልዓልኩ፤ ካልእ ኣይኮነን እቲ ዘረባ። ንህዝቢ ትግራይ ምፍራስ ዝፅዓር ዘሎስ ንኢትዮጵያ ምፍራስ ተደልዩ እዩ እየ ዝበልኩ። እንታይ ድኣ! ትግራይ እንተፈሪሱ ኢትዮጵያ ይፈርስ።

ካብ ጀመርካያ ናብታ በቐዳማይ ንኣውራ እምባ ዝተዛረብካያ ፍረ ነገር ዶ ንእቶ?

እወ እዘን ልዕል ኢለን ዘለዋ እምነተይ እየ ብሓፂሩ ከንፀባርቕ ፈቲነ። ዘይተረድኡ ሰባት ግና “ዝሃፀፀ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ” ኮይኖም። ነቲ ዝተባህለ ገዲፎም ዘይተባህለ ኣምፂኦም። እቲ ዝተባህለ ተገዲፉ ዘይተባህለ ይዝረብ ኣሎ። ነቲ ቁምነገር ገዲፍካስ ጓል ነገር ምሓዝ ይረአ’ሎ። ኣነ ካብቶም ኣብቲ ግፍዒ ዝተዋፈሩን ደገፍቶምን ዝተፀበኹዎ እውን እዩ።

እቲ ዘሎ መንእሰይ ታሪክ ትግራይ ከምቲ ዝገለፅካዮ ገይሩ ዝተረድኦ ኣይኮነን ኣይተነግሮን። በቲ ካልእ ገፅ ድማ ታሪኽ ዝብርዙ ኣብ ዝበዝሑሉ ደረጃ በፂሕና እዙይ ከመይ እዩ ክኸውን?

ገለ ሰባት ክሳብ ሕዚ ናይ ትግራይ ታሪኽ ምዝራብ ነቲ ታሪኸ ኢትዮጵያ “ዲኮንስትራክት” ምግባር እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኣለዉ። እቲ ናይ ትግራይ ታሪኽ ብፍላይ እቲ ጥንታዊ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ተባሂሉ ዝውሰድ እዩ። ንኣብነት ቅዱስ ያሬድ ትግራዋይ ዲኻ ክትብሎ ኢትዮጵያዊ? ፊደል ግእዝ ናይ ትግራይ ዲኻ ክትብሎ ናይ ኢትዮጵያ? እወ ናይ ኢትዮጵያ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ክትብሎ እንተለኻ ግን ኣየናይ ኢትዮጵያ እዩ። ብዛዕባ እቲ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኢትዮጵያ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ቀደም ደብተራ ፍስሃ ተፃሒፉ ተባሂሉ ዝእመን መፅሓፍ “ፊተኛይቱና ኋላኛይቱ ኢትዮጵያ” ዝብል ኣሎ። ቀዳመይትን ዳሕረወይትን ኢትዮጵያ ሓዋዊስካ ምዝራብ ነቲ ናይ ታሪክ ዘመተ’ውን ክቐልል ገይርዎ እዩ። ኢትዮጵያስ ኣየንአን እያ? ኢሉ ክጥይቕ ዝኽእል ሰብ ብዙሕ ስለዘየለ ክልቲኡ ሓደ ዓይነት ገይሩ ይርድኦ። ንሕና ግን ጥንታውነትናን ኢትዮጵያዊነትናን ክንብል እንተለና እቲ ልዕል ኢለ ዝጠቐስኩዎ ታሪክ ሒዝና ኢና። ኣብ ኢንሳይከሎፒድያ አትዮፒካ ምርኣይ ይከኣል እዩ። “ከመይ ኢሎም ከምዝውለዱ ኣይፍለጡን ‘ምበር እቶም ናይ ሽዋ ነገስታት ኣኽሱማውያን ኢና እዮም ዝብሉ” ይብል። ንጉስ ኮይኑ “ካባኻ እየ” እንተይሉካ ስለዘየፅግመልካ በዚ ልምዲ’ዚ ንሕና’ውን ተቐቢልናዮም ኢና። ከመይ ኢሎም ከምዝኸዱን ከምዝውለዱን ግን ምስጢር (mystry) ኮይኑ እዩ ዝግለፅ። ኣብ ሓደ ገዳም ዶ ኣብ ሓደ ገጠር ተሓቢኡ ፀኒሑ ድሓር ግን መን ምዃኑ ተፈሊጡ ናብ ስልጣን ደይቡ ተቐባልነት ረኺቡ ብዛዕባ ዝበሃሉ ሰባት ስርወ መንግስቲ ይውጋዕ። ብዘይጠለለ መንገዲ ታሪኽ ይጣበቕ።

ብዝኾነ ናይ ትግራይ ታሪኽ ኣፀቢቕና ከይንምሃር ዝተገብረሉ ምኽንያት ሓደ፤ እቲ ታሪኽ ምእንታን ማእኸላይ መንግስቲ ከሕጉስ ዝተፃሕፈ ዘይምቅር ታሪክ ኮይኑ። እቲ ኣብዚ ዝነበረስ ናትኩምውን አዩ ኢልካ በተን ዘይተረጋገፃ መውስቦታትን ግዛዕን ናቶም ይኹን ተባሂሉ። እዚ ማለት ሰብ ልዕልን ትሕትን ኣለዎ ኢልካ ንምዝራብ ኣይኮነን ዝዝረብ ዘሎ። “እቲ ትግራይ ዝብሃልስ ዓርሰ ግዝኣታዊ (ራስ ገዝ) ዶ ነይሩ ኣይነበረን?” ንምባል እዩ። ኦቶኖመስ እንተነይሩ ከም ኦቶኖመስ ናይ ባዕሉ ዝሰርሖ ታሪኽ ኣለዎ ማለት እዩ ካልእ ነገር ኣይኮነን። ናይ ባዕሉ ጂኦግራፊያዊ ከባቢ ነይርዎ እዩ። ዓዲ ኣርቃይን ዓዲ ሓሙሽተን ዝብሃል ከባቢ ትግራዋይ ዝሰየመልና እዩ እንተዘይኢልካ ትግርኛ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣየፀግምን። ደሓር ዝመፀ ኣካልላ ድማ ብቋንቋ እንተኾይኑ ሓንሳብ ብኣምሓርኛ ምዝራብ ካብ ጀመሩስ ኣምሓራ ክልል ንበሎም ምባል ክርደአና ይኽእል እዩ። ነዚ ታሪክ እዚ መናእሰይ ትግራይ ካብ ፈለማ ክሳብ መወዳእትኡ ኣይተማህርዎን።

ንምንታይ እዩ ግን ክምሃሩዎ ዘይተገበረ?

ምኽንያቱ ታሪክ ከም ዓብይ መስርሕ ፖለቲካ ስለዝተወስደ ብጥሪኣ ክመሃሩ ኣይተገብረን። ስለዚ ሰባት ታሪኾም ከይፈልጡ ምድንቋር እዩ እቲ ሓደ መንገዲ ነይሩ። ንሱ ዘይዝክር ፤ ናብ ካልእ ተኣማንነት ዝገብር ታሪክ ኣለኒ ኢሉ ዘይኾርዕ ሰብ ክፍጠር እዩ ተገይሩ። እዛ ናይ ሕዚ ክትምስረት አትድለ ዘላ ሃገርስ ሓቀኛ ታሪክ እንተተዛረብካላ ንረብሓና ዕንቅፋት እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ ማለት አዩ። እቲ ዝተፃሕፈ ታሪኽ ኣምፂእኻ እንተርአኻዮም ዝሓቱ ሰባት ውን ድማ ይለዓሉ። እቶም ዝሓቱ ሰባት ድማ ካብቲ ዝተገራጨወ ታሪክ ሰሚዖም ወይ ተነጊርዎም ስለዝፀንሑ ኣይኣምኑን። ሃፀይ ዮሃንስ ሰብ እዮም ነይሮም። ጥፍኣቶምን እወንተኦምን ብትክከል እንትፀሓፍ ንኹሉ ሰብ እዩ ዝጠቅም። ንኢትዮጵያ ይጠቅም ዋላ ንኣፍሪካ ይጠቅም።

ኣብ መወዳእታ ታሪክ ኣፀቢቑ ዘይርዳእ እቲ ሰብ ብፍልጠት ዘይኮነስ ብመፈክር( ጭርሖ) ይኸይድ ኣሎ። መንደኾን መንደኮን ታይ ያ በለ፤ ኢትዮጵያ ወይም ሞት በለት ይብሃል’ሞ ነዚኣ ስቕ ኢልካ ብመፈክር ትኣምና። ኣብ ኤርትራ እንተኼድካ ድማ ሓደ እዋን ኢትዮጵያ ወይ ሞት ኢልናስ ክልቲኤን ሂቡና ፈጣሪ ድማ ይብሉኻ። ኢትዮጵያውን ሞትውን ሂቡና ይብሉ። ኣየንአን ትመርፅ ተባሂሎም ታይ ከምዝገበሩ ይፍለጥ እዩ። እዚ እዩ እቲ ነገር እምበር ካባና ዘፍሊ ነገር ኣይምሃለዎምን። ካባናውን ክፍለዩ ነይርዎም ማለት ኣይኮነን። ተንቤንን ዓድዋን አሕዋት እንተኾይኑ፤ ዓድዋን ሰራየን መን ጓኖት ገይርዎም? ዓጋመን ክልተኣውላዕሎም ሓደ እንተኾይኑስ ዓጋመን ኣከለጉዛይን እንታይ ኮይኑ ሓደ ዘይኸውን? ኤርትራውያን አሕዋትና እዮም ነይሮም ምባልስ ካብ ኢትዮጵያዊትን ተኣማንነት ዘልገስካ መሲሉ ዝስምዖም ኣለዉ። እሞ አሕዋትካ ኣይኮኑን ኢልካዶ ክትክሕድ ኣለካ? እዚ ትክከል ኣይኮነን።

ክልተ አሕዋት ከም ጎረባብቲ ኰይንካ ክትነብር ግን ይከኣል እዩ ፀገም የብሉን። ገሊኦም ታሪኽ ፍሒሮም ፍሒሮም ለካ ከምዚ ኢና ኔርና ዘይፈለጥናዮ ይብሉ ኣለዉ። ካብ ልቦም ድዮም ብግርህነት ብዘየግስ ለካ ከምዚ ኢና ኢሎም ዝጠዓሱ ውን ኣለዉ። ለካ ሓደ እንዳሃለናስ ዝተፋሕሰልና ተንኮል ከይፈለጥና ተታሊልና ዝብሉ ኣለዉ። ከመይ እዩ ደኣ ዝግበር? ንሓድነትና ብስሩ ዘላቒ ዶ ክኾን ይኽእል ኢልካ ምሕሳብ ካልእ ነገር እዩ። ብድምር እንትርአ እቲ ሰብ ታሪኹ ከይመሃር ብዝተፈላለየ መንገዲ ፍርሒ ስለዝነበረ እዩ።

ታሪኽ ዝሰርቁን ዘዛብዑን መፃሕፍቲ ከም ሓመድ ይፀሓፉ ኣለዉ። እዛ ምሕሳውን ምዝባዕን እንታይ እያ ክትረብሖም?

ኣኽሱምስ ንሕና ሰሪሕናያ ኬድና ዝብሉ ኣለዉ። ከምዚ ዝበለ ሕሶት ኣብ ታሪክ ዓለም ተራእዩ ኣይፈልጥን። ሰሪሕና ነዲቕናስ ኣረኪብናዮም ኬድና ዝብል ሕሶት ወፂኡ ዶ ይፈልጥ ኣብ ዓለም ? እዚ ስቕ ኢልካ ናይ ዕውልና ነገር እዩ። ምስኡ ርክብ ነይሩና ምባል ኣይምተፀልአን። ብስሩስ ካብ ኢራቅ መፂኡ ኣትዩ ዝብሉ ከም እኒ ፍቕረ ቶሎሳ ዝበሉ ዕቡዳት ኣለዉ እንዶ። ከምዚ ዝበሉ ዕቡዳት ዝመርሕዎ ናይ ታሪክ ኣፃሕፋ፤ ብኣኣቶምስያ ሓድነት ኢትዮጵያ ነጠናኽር ኣለና እዮም ዝብሉ። ኣብ ልዕሊ ወራር ታሪኽን ፀለመ ሽምን ዝበፅሖ ዘሎ ህዝቢ ዘስዕቦ ስነኣእምሯዊ ፀቕጢ ናበይ ክወስድ ይኽእል ኢሎምስ ብስሩ ኣይሓስብዎን። ካብ ኣዳምን ሄዋንን መፂና ዝብል ብመፅሓፍ ቅዱስ ዝእመነሉ እምበር፤ ካብ ሓደ ሳይንሳዊ ምርምር ገይረ ፅሒፈ ዝብል ምሁር እትፅበዮ ኣይኮነን። ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝፅሕፍስ፤ ክስቶ ዝብሃል ነይሩስ ንኹስቶን ክስቶን ወሊዱ፤ ሽም ስለዝገጠመሉ እናገጣጠመ ክዕሹ ትፅቢት ኣይግበርን። ክንደይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምስ ካልእ ዝገጣጠም ሽም ኢልካ ክቑፀር። ብሽም እናገጣጠምካ ታሪክ ፅሒፈ እየ ምባል ሳይንሳዊ ኣይኮነን። እዚ ኮነ ኢሎም ተወዲቦም ዝሰርሕዎ ድማ እዩ።

እቲ ቅድም ኢሉ ዝተፀሓፈ ፅሑፋት ነቲ ምሕሳውን ምድቃልን ስለዘይመቸዎም እቲ ኹሉ እቶም ምሁራን ዝፀሓፍዎ ፀዓዱ እኮ ብዛዕባና ፅቡቕ ኣይፅሑፉን ገለ እናተብሃለ ኩሉ ንምድምሳስ እዩ ዝኽየድ። ደምሳሳይ መንገዲ እዮም ዝኽተሉ።ከይንበብ ይደልይዎ።ስለዚ ኩሉ መሰለኒ እናበለ ክፅሕፍ እዩ መንገዲ ተኸፊቱ። እዚ ድማ ኣይኸውንን።ምናልባት ዶ ኾን ቅሩብ የኺዶም እምበር ናይ ሰብ ታሪኽ ደምሲስካ ዝኽየድ ኣካይዳ የለን።ኣብ ማንም ዓለም እውን የለን።

ንጉሳት ሃገረ ፈረንሳይ ካብ እየሱስ ንውለድ ኢና ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም። ከምዘይኮነ ምስፈለጡ ግን ንሳቶም እዮም ከም ኣቡኦም ደልዮምዎ እምበር ንሱ ወሊድዎም ኣይኮነን። ሓይሊ ንምፅናዕ እዩ። ብዙሕ ሰብ ንክኽተሎም እዩ። እናፀንሐ እናፀንሐ ግን ከምሰቦም ምዃኖም እቲ ሰብ እናተረደአ ምስከደ ንዓይስ መን ድዩ ፈጢሩኒ እናበለ ከይዱ።

ስለዚ እቲ ምፅሓፍ ታሪክ ዝብሃል ነዊሕ ጉዳይ እዩ።ኣይሰራሕናሉን ድማ። 700 ገዛውቲ ዝነበሮ ሓደ ጥንታዊ ከተማ ኣብ ትግራይ ተረኺቡ እንትብሃልስ እቲ ትግራዋይ ታሕጓስ ተሰሚዕዎ። ከመይ ኢሉ እዩ ኣብዝ ተረኪቡ ዝብል ዓብዪ ሕቶ እዩ። ናይ ፍልጠት፣ፋይናንስ ዓቕምታት ይሓትት እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ግን ኣይፃሓፈን ዝብል እምነት ኣይብለይን። ደቅና ክምዝግብዎ ይኾኑ። ሕዚ እውን ግን ማይ ኣድራሻ ናብ መደባይ ኣንፈት ስለዝኾነ ‘እዚ እውን ናትና እዩ’ ኢሎም እኒ ፍቕሬ ቶሎሳ ተወሳኺ ልጋብ ካብ ምፅሓፍ ኣይዓርፉን።

ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ግደ ተጋሩ እንታይ ነይሩ ትብል?

ኣብዚ 27 ዓመት ማለት ድሕሪ ለውጢ እታ ሃገር ወግሐ ፀብሐ ክንደይ ከበሮን ነጋሪትን እንዳተወቕዐ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ተነጊሩስ ክትፈርስ ኣይክኣለትን። ካብ መጀመርትኡ ተቓዉሞታት ሓይሎም መፂኦም ነይሮም። ዕጡቓት ሓይልታት መፂኦም። ሶማልያ ወሪሮምና ተባሂሉ፤ ናይ ሶማልያ ብሄርተኝነት ነይሩ። ኣብ ዓፋር ናይ ብሄርተኝነት ፀገም ነይሩ። ኦነግ ሕዚ 60 ዓመት ኮይንዎ ኣሎ ካብ ዝለዓል። ብድሕሪኡ እውን ናይ ኦሮሞ ምንቅስቓሳት ነይሮም።

ኣብ ትግራይ እውን እዋኑ ሓልዩ ናዕብታት ተላዒሉ። እታ ካብ ትግራይ ዝተበገሰት ሓይሊ ግን ሃገር ካብቶም ካልኦት ምንቅስቓሳት ብዝተፈለየ መልክዑ ቃልሲ መሪሓ ሃገር ተቖፃፂራ። ኣዲስ ኣበባ ኣትያ “በሉ ንዑ ንማኸር! እዛ ሃገር ከመይ ገይርና ነድሕና? ከመይ ገይርና ነጥዕያ ንመኻኸር። እቲ ኣገዛዝኣ ኣወጊድናዮ ኣለና እሞ እንታይ ዓይነት መንግስቲ የድልየና ዝብል ዘተ ተጀሚሩ። ሕገ መንግስቲ ተቐሪፁ።

እቲ ሕገ መንግስቲ ብግቡእ ተተግቢሩ ዶ ኣይተተግበረን ካልእ ሕቶ ኮይኑ ዘስርሕ ሕገ መንግስቲ ግን ተቐሪፁ። ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ሰብ ዘዘራርብ ዓንቀፃት እውን ኣሎ። ገሊኦም ክኣትዉ ኣየንበሮምን ዝብልዎም ኣለዉ። ገሊኦም ናይ ቁጠባ ፖሊሲ እዮም ዝብልዎም ከም ናይ መሬት ጉዳይ ዝበሉ ነገራት ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሎም ምእታዎም ነቲ ናይ መንግስቲ ሓይሊ የዳክሞ እዩ ዝብሉ ብተገዳስነት ዝዛረቡ እውን ነይሮም እዮም። ግን ምእንቲ ዚ ሃገር ተባሂሉ ብዙሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ። ብቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት እውን ብዙሓት ይጥቀሙ ኣለዉ። ብቋንቆኦም ይምሃሩ ይዳነዩ ኣለዉ።እዚ ፍሉጥ ነገር እዩ።

እንድሕር ወያነ (ሬቮሉሽን) ተኻይዱ ድሕሪ ዓወት ሰዓርን ተሰዓርን ኣሎ። እቲ ተስዓሪ እቲ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ። ስለዚ ብሕልሚ ዝርእዮ ናይ ቀደም ዓለም ኣለዎ። እቲ ሓዱሽ እውን ብሕልሚ ዝርእዮ ናይ ሎሚ ሕልሚ ኣሎዎ። እቲ እንፈጥሮ ሓዱሽ ዓለም እንታይ ክመስል ኣለዎ ዝብል ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብንፁር ዝተቐመጠ ዋላ እኳ እንተኾነ ኩሎም ሕልምታትና ግና ሓደ ዓይነት ክኾኑ አዮም ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ፎቖዶ መንገዲ ምትራፍ ከጋጥም ይኸውን። ይኣኽለና ምባል የጋጥም። ተስፋ ምቐራፅ የጋጥም። ተጠሊምና ዝብል እውን የጋጥም ይኸውን። ስለዚ ብዙሕ ፈተናታት ክገጥመካ ግድን እዩ። እዚ ዘሎ እዩ ዋላ ኣብ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ትንተና።

ሕዚ እስቲ ብኣብነት ንርኣዮ መምህር እዚ ኩነታት እዚ። ከመይ ማለትካ ኢኻ?

ሕዝስ ኣብ ባድመ ተዋጊእና ምእንቲ ንዓኹም ይብሉኻ። እዚ ሕዚ እንታይ ኢኻ እትብሎ? ንትግራይ ክነድሕን ኢና ተዋጊእና ይብሉኻ።

ኣብዚ ሕዚ ሓደ ትግራይስ ከም ናይ ወፃኢ ዓዲ ተገይራ ድያ ትሕሰብ ዘላ እሞ ከምዚ ናይ ፓኪስታን ድዩ ዋላ ናይ ኢንግሊዝ ሰራዊት መፅዩ ሓጊዝዋ ኢልካ ክትዛረብ? ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ኮይንካስ ከመይ ኢልካ ከምዚ ትብል?

ካልኣይ ቅድሚ እታ ኣብ ተሃድሶ ዝነበረት ዓመት ማለት እታ ናይ ኢትዮ ኤርትራ ኵናት ምስተወደአት፤ ኣብ በዓል መበል 26 ዓመት ልደት ህወሓት ብዕለት 10 ለካቲት 1993 ዓ/ም ብነበር ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ዝቐረበ ፀብፃብ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ህወሓት ብበዝሒ ተሰሊፉሉ ዝፀንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ወራር ሻዕብያ ንምምካት 75 ሽሕ መንእሰይ ከም ብሓዱሽ ኸምዝኸተተ እዩ ዝገልፅ። ኣብ ርእሲ እዚ 37 ሽሕን 900 ምልሻ ካብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ናብ ግንባር ባድመ፣ ፆሮናን ካልኦትን ከቲቱ እዩ። እንድሕር ክግለፅ ኣለዎ እምብኣር ጥቓ ጥቓ ፍርቂ ዝኸውን ተዋጋኣይ ሓይሊ ዝወፈረ ካብታ 5 'ባ 6 'ባ ሚኢታዊ ህዝቢ ዝሓዘት ዝብልዋ ዝውዕሉ ትግራይ እዩ። እዚ ጭቡጥ መረዳእታ እዩ። ምክልኻል ሃገር እኮ ናይ ሃገር ስራሕ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ኲናት ምሉእ ሓበሬታ ዘይብሎም ወይ እውን ከደናግሩ ዝደልዩ ወገናት ግን ንግልባጡ እንዳተዛረቡ ነቲ ኣበርክቶ ህዝቢ ትግራይ ንምንእኣስ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣበሃህላ የጋውሑ።

ግን ሃገር ንምክልኻልስ እኒ ኽስቶ ክንደዚ የበርክቱ እኒ እከለ ከምዚ ይግበሩ ናብ ዝብል ፀብፃብ ኣይትኣቱን። ሃገር ምድሓን ናይ ኩሉ ሃገረይ ዝብል ስለዝኾነ።

ሕዚ እቲ ፀገም ዝኸውን ምስቲ ቅድም ኢልና ናይ ታሪኽ ኣረዳድኣና እውን ፀገም ከምዘለዎ ዝጠቐስናዮ ምእንቲ ትምክሕቲ ከይመስልስ ድፈን ድፈን ተባሂሉ እዚ እውን ከይዝረብ እዩ ተገይሩ። ድሓር ሕዚ ነቲ ህዝቢ ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ ማለት እዩ። ንሕና እኮ ኢና ኣድሒንናኩም እምበር ሞይትኩም ነይርኩም ኢኹም ንዝበለካ ሕዚ እንታይ ትብሎ? እዚ እናተዘረበ እንተዝመፅእ ነይሩ ግን ኣብዚ ኩሉ ናይ backfire ፀገማት ኣይምተኣተወን።

እንተኾነ ግን ኩሎም ጀጋኑና ንሃገሮም ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ገይሮም ምቖፀርዎ። እንተዘይኮነ ድማ ሓጊዝናኩም ኢና ንሕና ተዋጊእናልኩም ዝዓይነቱ ታሪኽ ፅውፅዋይ ክፅሓፍ ኣይምነበሮን። ምፅሓፉ ድማ ኣይኮነን እቲ ፀገም። ከምዚ ንክፀሓፍ ናትና ስኽ ምባልን ምስካፍን እዩ ሓደ ባዕሉ ዝኸኣለ ፀገም።

እዚ ሕዚ ምፅባብ ይብልዎ ኣለዉ። ከምኡ ዝብሃል እኮ የለን። ኣነ እኳ ከም ውልቀ ክዛርብ እንተኮይነስ ኣብ ሶማልያ እኮ ዝተሰዉኡ ቤተሰበይ ኣሕዋተይ ኣለውኒ። ኣብ ዘይዓዶም ከይዶም ተሰዊኦም ዶ ይብሃል እዩ? ዓዶም እንድዩ ግዲ። እቲ ውግእ ኢትዮጵያ እኮ እያ ደልያቶ። ኢትዮጵያ እንተደልያቶ ዋላ ናይጄርያ ከይድካ ክትዋጋእ ኣለካ። ወይ እታ ሃገርካ ኢኻ እትገድፋ እምበር ንሳ ዝደለየቶ እማ ክትገብር ኢኻ። ድልየት ሃገረይ ንሱ እዩ ኢልካ እንድሕር ኣሚንካ ክትዋጋእ ኢኻ። እዚ እዩ ክኸውን ዝነበሮ እቲ ርድኢት። ስለዚ ሓደ ኣብዚ 27 ዓመት ዝተርኣየ መሰረታዊ ተርእዮ ታሪኽ ክጣመም ናይ ምግባር ሓያል ስራሕ እዩ። ዝተጣመመ ታሪኽ ኣብ ምስትኽኻል ብዙሕ ዘይከድናሉ እዩ ነይሩ ምባል ይከኣል።

እቲ ብመዳይ ልምዓት ተመዝጊቡ ዝበሃል ምንቅስቓስ ኸ ከም ኣካል ናይዚ 27 ዓመት ልምዓታዊ ተጋድሎ ከመይ ኢኻ እትርእዮ?

ኣብዛ ሃገር ብዘይካ እተን ጣልያን ዝሰርሐን ዝተወሰና ናይ ልምዓት ምንቅስቓሳት ካልእ ዝንገረሉ ብዙሕ ኣይነበረን። ሕዚ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብቕጥራን/ኣስፓልት ዝተሰርሐ መንገዲ ንርኢ ኣለና። ቁሸታትን ጣብያታትን ንምርኻብ ዝግበር ብዙሕ ስራሓቲ ኣሎ። ንኩሉ ተጠቃሚ ዝገብር ብርክት ዝበለ ማሕበራዊ ስራሕ ኣሎ። እዚ ክከሓድ ዘይብሉ ሓቂ እዩ።

መንግስቲ መንገዲ እዩ ዝሰርሕ። ቤት ትምህርትን ሕክምናን እዩ ዝስርሕ። ኣብዚታት ዝተፈፀመ ፖሊሲ ብካልእ እውን ኣፍልጦ ዝተውሃቦ እዩ። ግን ካብዚ ንላዕሊ ክንከይድ ነይሩና ዝብል ምጉት ክልዓል ይኽእል እዩ፤ ሽግር ኣይብሉን።

እዚ ኩነታት እዚ ከም ውሁብ ወይ ከም given ዝወሰደ ወለዶ መፂኡ ኣሎ። ተሰሪሑሉ ተደኺሙሉ እምበር ስኽ ኢሉ ዝመፀ ኣይኮነን። ነዚ ግን ምኽንያት ኣለዎ። እቲ ካልእ ገዲፍካስ ኢህወደግ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ 50 ሚልዮን እዩ ነይሩ። ካብዚ ኣብዚ 27 ዓመት ክመውት ዝኽእል ነኪኻ እቲ ዝተወለደ ኣስሊሕኻ እንተርእይኻዮ ሕዚ 100 ሚልዮን በፂሕና ኣለና፤ ካብዚ እቲ ዝበዝሕ ድሕሪ ኢህወደግ ዝተወለደ እዩ። እዚ ቀሊል እዩ ንምርዳእ።

ስለዚ እዚ ኹሉ በዝሒ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ናይ ቐደም እንታይ ዝፈልጦ ነገር ኣለዎ? እዚ ስለዘይፈልጥ ገለ ኢልካ እትነቕፎ እውን ኣይኮነን። ብስሩ ኸ ንሱ ዘይምፍላጥ ድዩ ፀገም ዝኸውን ዘሎ ኢልካ ምሕታት ትኽእል ኢኻ። ኣይኮነን! ካልእ ሽግር እውን ኣለዉ።ሃንቀውታታት ኣለዉ። ኣብ ምምስራት እታ ሃገር ዝነበሩ ፀገማት እውን ልሒኾም መፂኦም እዮም። እዚኦም እቲ ልምዓት ከይጠዓዓምን ተወሳኺ ሓይሊ እውን ከይኸውን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ድኽነት ትግራይ ምሕሳሙ ብዙሓት ተጋሩ ክብተኑ እሞ ከምዚ ናይ ሕዚ ዝበሉ ዘርኣዊ ጥቕዓታት እንትመፁ ግዳያት ዝኾኑሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ ዝብሉ ኣለዉ።ኣብዚ ዘለካ ርእይቶ እንታይ እዩ?

ኣነ ኣብ ትግራይ ለውጢ የለን ኣይብልን። እቲ ዝተገበረ ከየመስገንካ ካልእ ምዝራብ እውን ልክዕ ኣይኾንን። ክነመስግን እንተለና እውን እቲ ልምዓት ዘምፀአ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝምስገን ዘሎ። ስለዚ ብዙሓት ፅቡቓት ተሰሪሖም እዮም።

ግን ካብዚ ንላዕሊ ክንከድ ምኽኣልና ዝብል መርገፂ ኣለኒ። ወልድያ እንዶ ንውሰድ። ኣብ ወልድያ ክንደይ ዝኣክል ፋብሪካ ተጣይሶም? መን ዝብሃሉ ደቂ ዓዲ እዮም ፋብሪካ ኣጣይሶምላ ወልድያ? ክንደይ ሆቴል ኣለዉ ኣብ ወልድያ? ንምንታይ እዚኣቶም ኣብ ወልድያ ተጣይሶም? ናይ ተጋሩ እኮ እዮም። እዚኦም ኣብ ትግራይ ዶ ክስርሑ ምኽኣሉ ነይሮም? መልሱ እወ እዩ። ገሊኦምስ ኣረ ካብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቢሮክራሲ ኣብ ወልድያ ዘሎ ቢሮክራሲ ስለዝቐልል ኣብኡ ተኺልናስ ድሓር ሒዝናዮ ምምፃእ ይሕሸና ኢሎም እዮም ብለዋህነት ኣብኡ ሰሪሖምዎ። ንሱስ ሓደ እንድዩ ዓድና እንድዩ ብዝብል እውን ዝሰርሑ ኣለዉ።

እቲ ልምዓት ብብዙሕ መንገድታት እዩ ተኾሊፉ። ገሊኦም ታራ ዝኾኑ መሃይማት ሰባት እውን ናይ ባዕሎም ኣሉታዊ ግደ ተፃዊቶም እዮም። ትግራይ ክትለምዕ ኢልካ ክትንቀሳቐስ እንተለኻ ዘየለ ትግራይ white elephant ክትከውን ኣይብላን ኢሎም ዝሙጉቱ ነይሮም እዮም። ዕብየት እንድሕር ኣቀላጢፍናስ ካልኦት እንተደንጎዩ ኸ ዝብሉ ነይሮም እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ሕዚ ርብዒ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድኽነት ክፀንሕ ምኽንያት ኮይኖም እዮም። ፍልጠት ውሒዱ። ዘይምዕሩይ ኣተሐሳስባ በዚሑ።ኣነ ኣይኮንኩን ዝብሎ ዘለኹ እዚታት፤ ዓሰርተ ሻዕ ዝዝረብ ዘሎ ንሱ እዩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ክግበር ዝኽእል ዝነበረስ ካብታ ኣብ መጀመርታ ዕለት ጀሚራ ማለተይ እየ፤ ብዙሕ ፀገማት ዝነበሩዎ እዩ። ኣብዚ እባ እንተዘይተኺልኩም ኣብዚ ተዘይተኺልኩም እናተብሃሉ ዓዲ ዝሓደጉ እውን ነይሮም እዮም። ትግራይ ከም ሓንቲ ዓዲ ክርእይዋ ዘይከኣሉ ሰባት እውን ነይሮም እዮም። ዝኸነ ትግራዋይስ ኣብ ዝደለየዮ ናይ ትግራየ ክፋል ክሰርሕ ከምዝኽእል ዘይፈለጡ ሰባት ነይሮም እዮም። ሓደ ወዲ ዓድዋ ኣብ ማይጨው ከይዱ ከልምዕ ከምዝኽእል ዘይፈለጡ ነይሮም እዮም። ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ውቕሮ ተላዒሉ ኣብ ተምቤን ክስርሕ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ነይሩ። ኣብ ቃሕ ዝበሎ ያ ምነበረ እሞ ትግራይ ምተጠቐመት። ሓደ ሓደ ሻብ እውን ብጌጋ ብዝተወደበ መልክዕ ጥራሕ እዩ ናይ ኢንቨስትመንት ሓይሊ ክካየድ ዝኽእል ዝብል ነይሩ እዩ።

ዝተወደበ ማለት?

ዝተወደበ ማለተይ ንኣብነት ከም ትእምትን ካልኦት ብመንግስቲ ዝስርሑ ማለተይ እየ። እዚኣቶም ዝሰርሕዎ ስራሕ እቲ ካልኦት ክገብርዎ ዘይኽእሉ፣ ክበፅሕዎ ዘይክእሉ ወዘተ ከምኮነ እዩ ዝሓሸ ነይሩ። ተወሳኺ ምኾነ። እቲ ናይ ውልቀ ሰባት ቀዲሙ ይኸይድ እሞ እቲ ዘንጠብጠብዎ እናመለአ ይኸይድ። ኣብ ትግራይ ተወዳዳራይነት ዘይኮነስ ተመላላኣይነት ወይ ኮምፕልመንታሪቲ እዩ ክህልው ዝነበሮ። ምውህሃድ (ሊንከጅ) እዩ ዘድሊ።

ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ናብዚ ንምብፃሕ ፀገም ኮይኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሰብ ፕሮጀክት ፕሮፖዛልና እንተሂብናስ እንተወሰዱዎ ኸ ምባል ጀሚሩ። ንመንግስቲ ምጥርጣር ተጀሚሩ። ኮፒ ገይሮም ካልእ ዝሰርሕዎ ወይ ንካልእ ዝሸጥዎ እንድሕር ኮይኖም ሓቆም እዮም። ሓሳብ እኮ ሃፍቲ እዩ። ስለዚ ምሁራዊ ኣካይዳ ክህልወና ምተገበአ።

እቲ ትግራይ እንተለሚዓ ገለ ክንብሃል ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ እንታይ እዩ?

ስክፍታ እዩ። ንምንታይ ከምእንስከፍ ኣይርድኣንን። ትግራይ እንተፀቢቓስ ክንሕመ ኢና ዝበሃል ነገር እንታይ እዩ? ዝበለ ይበል እምበር እንታይ ገደሰካ። “እወ ኣፀቢቕናያ! ንዓኣ ምፅባቕ እንድዩ ዕላማና!” ተባሂሉ ልክዑ እዩ ክንገሮ ዘለዎ። ኦሮምያ ከዓ ባዕሎም የፀብቕዋ። ኩስቶ ሰኒፈ ከይብል እናበልካ ድዩ? ብደረጃ ሃገር እውን ተመላላኣይነት ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ናብ ዝምቡዕ ተወዳዳራይነት ተኣትዩ ትግራይ እንታይ ገበሩ ንሕና እውን ከምኣ ናብ ዝብል ንሕንሕ ተኣትዩ ናይቲ ሓደ ኢንቨስትመንት ከም ሃፍቲ ሃገር ጌርካ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ኣብታ ዘይብላ ዓቕሚ ኣውቶብሶም መፃና፣ ቢራ ናቶም ኣይንሰትን፣ ንሕና እውን እንዳ ሰሚንቶ እንዳተብሃለ ከም ናይ ጓናን ናይ ጎረቤትን ምሕሳብ ተጀሚሩ።   ብደረጃ ክልል ኢኮኖሚክ ሪቮሉሽን ክነካይድ ዝብል ትልሚ ኣውፂእኻ ካብ ካልእ ዝወሰድካዮ ብሉ ፕሪንት ኣቕሪብካ ኣፅዱቑለይ ይብሃል። ንሕናን ንሳቶምን እንዳተብሃለ ዝስራሕ ስራሕ ከምዝተወደአ ብኣግኡ ናብ መዕነዋይ ዝኣተወ ፀወታ ይቑፀር። ኣብ እዋን ዕግርግር ድማ ናትናን ናቶምን እንዳተብሃለ ሃፍቲ ሃገር ይዓንው።

እታ ስክፍታ እትምልከት ንምርጓድ፤ ኣነ ንሰበይተይ ጎባጉብ እንድሕር ደልያ እየ እምበር ጎረቤታ ከይትቐንእ ኢለ ክዕድገላ ኣይክእልን። ተድልይዋ ይገዝአላ። ጎረቤት ከይትቐንእ ኢለ’ውን ግን ኣይገድፎን። ከምኡ እንተዘይከውን ኣብ ትግራይ ጎባጉብ ክዕድገላ እይምሃለወን። እተን ዘለወን ውሑዳት ስለዝኾና። ኩለን ነናተን እየን ዝሓስባ።

ፀቢብነት ዝብሃል ካብቲ ብደረጃ ሃገር ዝግበር መቖሎ ሃፍቲ ዘይግብኣካ ወይ ሕልፊ ምውሳድ እዩ እምበር ኣብ ትግራይ ዝስራሕ ብውሕላለን ብሰብን ገይርካ ትርኑዕ ነገር ምስራሕስ ኣብምንታይ እዩ እቲ ፀገሙ? ንትግራይ ከዓ እቲ ተፈጥሮኣዊ ኩነታቱ ነዚ ዘከሓሕስ ሰብኣዊ ዓቕሙ ኣጣሚርና ክነከሓሕሶ ዝብል እንድዩ እቲ ሓሳብና ነዚ ዝድግፍ ስራሕ ምስራሕ እዩ እቲ ዘድልየና። ካልኦት ዘራፍድ ይህልዎም።ንሕና ዘራፍድ ኣይብልናን። ግዜ ኣይህበናን ድኽነት እናበልናስ እሞ ካልኦት ከይብሉና ኢልካ ምሕሳብ ኣይክኣልን።

ብስሩኸ ካልኦት በሊዖም ከይብሉናስ ንሕና ፆምና ንሕደር ዶ ይብሃል እዩ? ኣረ ኣይብሃልን! ንሕና እኮ ኢና ተፀጊምና ዘለና። ስለዚ እዚኣ እያ እታ ቀንዲ። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዝተሰርሐ ኣሎ ግን እቲኣ ቦኺራ ከምዚ ኮይና ከምዚ ኮይና ዝብሃል ነገር ዘይርድኣካ ነገር እዩ። እንታይ ኢልካዮ ኸ ትርድኦ። ኣብ ትግራይስ ሳንቲም ክትጠፍእ ኣይብላን ኢልካ ምብጋስ እዩ።

ኣብ ህንዲ ዝኸደ ሓደ ኣሜሪካዊ “ኣብ ህድንስ ‘ኮራፕሽን’ ኣሎ።” ኢሉ ይሓቶ። እቲ ህንዳዊ ድማ እወ ግን ኣብ ኣሜሪካ እውን እኮ ኣሎ ይብሎ። እቲ ኣሜሪካዊ ዝመለሶ መልሲ ንዓና ዘምህር እዩ። “እወ ኣሎ ግን ንሕና ንኽእሎ ኢና። ህንዲ ግን ኣይትኽእልን” እዩ ዝበሎ።ስለዚ ንሕና ሃፍትን ግዜን ክነባኽን ጉልበት ሰብ ክነባኽንስ የኽስረና እዩ። ኣየጥዕመልናን። ስለዚ እዚ ማእኸል ገይርና ኣይመፃእናን።

ካልእ ከዓ ዘይሰራሕናዮ ሰሪሕና ንብል ኣለና። ንዑ ራኣዩ እናተብሃለ ድማ ክንደይ ሰብ ይመፅእ። ጋዜጠኛ ተጎቲቱ ይመፅእ፤ ይርእይ። ከይዱ ግን ካልእ እዩ ዝፅሕፍ። ምኽንያቱ እቲ ዋጋ ዘውፅእ ንትግራይ ምፅላእ እዩ እምበር ትግራይ ለሚዓ ኢልካ ምፅሓፍ ኣይኮነን። ብዛዕባ ትግራይ ሓቂ ምዝራብ ኣይከኣልን ንገሊኦም። ከምዘይሰምር እናፈለጥካዮስ ፅቡቕ ኣለኹም ገለ ይብሉኻ እሞ ትሰምዕ። ከይዶም እታ ዝገብርዋ ይገብሩ።ንሳቶም እንዶ ንግደፎም ድላዮም ይግበሩ ድላዮም ይበሉ። እንታይ ኢኻ እናፀዋዕኻ ብራኣዩለይ መከራኻ እትበልዕ? ስራሕና ኣብ መሬትና ንግበር። እዚ እዩ እቲ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ። ብዓይኒ ትግራይ ኢንቨስትመንት ክነወዓዕዮ ነይሩና።ካብቲ ሕዚ ዘሎ ንላዕሊ ምኸድና ነይርና።

እቲ ብውሽጢ ዓዲ ኮነ ወፃኢ ልዕልነት ትግራይ ኣሎ ዝብሃል ከመይ ትርእዮ?

እቲ ናይ ደገ ድሓን ይትረፍ። እቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ግን ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን። ኣብዛ ሃገርስ ትግራዋይ ክንደይ ፎቕ ኣለዎ እናተብሃለ ክቑፀርስ ብጣዕሚ መሕዘኒ እዩ። ኣበይ ድኣ ከይዶም ክሰርሑ ካብ ዓዶም ሓሊፎም? ደቡብ ሱዳን ከም ኮነ እኮ ኣይምተቖፀረን። ሕራይ ቆፂርካ ኸ እንታይ ትገብሮ? ተካፍሎ ዲኻ? ብድሕሪኡ ኸ እቲ ዝወፅእ ትልሚ እንታይ ይኸውን ማለት እዩ? ተጋሩ ክንድዚ፣ ኣመሓሩ ክንድዚ ኦሮሞ ክንድዚ ሓቲቶም ኣለዉ እሞ ከክንድዚ ሬሾ ሃብዎም ናብ ዝብል ዲካ ክትኣቱ ማለት እዩ? ሓጊዝክምዎም ኢኹም ድማ ይብልዎም ነቶም መራሕቲ። ብስሩ መንግስቲ ነበረ ኣይብሃልን ገበረ እዩ’ምበር ዝብሃል። ነይሩ ክብሃል ኣይኮናን ክንደሊ ዘለና። ከምዚን እዚን ብዘበኑ ተሰሪሑ ክበሃል ኣለዎ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ከምእተሰርሐት፤ ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር ተጋሩ ከም ዓዶም ዘበርክትዎ ግደ ኣውጊዕኻና ኣለኻ። ሕዚ እቲ ዘርኣዊ ፀገማት ከመይ እያ ክትምክቶ ዘለዋ?

ኣነ ኣብ ኣውራምባ ታይምስ እውን ዘልዐልክወን ነጥብታት መበገሲአን ህዝቢ ትግራይ ይግፋዕ ኣሎ፤ ዝብል እዩ። ትግራዋይስ ኣብ ዝኸዶ ከይዱስ ንምንታይ እዩ ትግራዋይ ተባሂሉ ዝጭፍጨፍ እያ እታ ሕቶ። ዝተቐተሉ ፖለቲካዊ መራሒ እንተዝኸውን እት ዝቕተል ዘሎ እኮ ዝገበሮ ይህልው ትብል ትኸውን፤ ዋላ ንሱ ምቕታል ገበን እንተኾነ። ዘዋሪ ባጃጅ ግን እንታይ ገይሩ ይብሃል? ቀምቃሚ ፀጉሪ ኣብምንታይ ውዒሉ ይብሃል? ትግራዋይ ስለዝኾንካ እዩ ንቐትለካ ዘለና እዩ ዝብሃል ዘሎ እኮ ቃል ብቓል።

ንቐትሎም ዘለናስ ካብቲ መንግስቲ ፈሊኻ ምፍላጥ ስለዝኣበየና እዩ፡ ዝብልዎ ነገር ኣሎ። እሞ እዚ መንግስቲ እዚ ናይ ትግራዋይ ጥራይ ድዩ? ጉዳዮም ምስ መንግስቲ እንተኾይኑ ነቲ ኣማሓዳሪኦም ዘይቐትሉ? ከይዳ ከይዳ ፀጥታን ግዛዕን እያ ብ ኢድ ትግራዋይ ዝብሃል ዘሎ። ኩሉ ኣብ ኢድና ክነእትዎ እሞ ክነርእየኩም ኢና ዝብሃል ፈኸራ ድማ እኒሀ ብካልእ ወገን። እንድሕር ከምዚ እትብልስ ከመይ ገይሩ ኸ ይህበካ እቲ ካልእ። ዲሞክራስያዊ ዘይምዃንካ እናረኣየስ ንምንታይ ይህበካ?

ንዓይ “ዘርኣዊ ጥቕዓት ይካየድ ኣሎ” ማለት ትግራዋይ እናበልካ ምቕታል እኒሀ ማለተይ እየ። እዚኣ እያ! ክንደይ ሰባት ተፈናቐሎም? ክንደይ ሰባት ሞይቶም? ይፍለጥ እዩ። ይፅብፅዎ ዶ የለውን ባዕሎምስ እንተቖነ። ካብ ጎንደር 11 ሽሕ ተፈናቐሎም። ኣብ ቆቦ ዝተዓቆበ ወገን ኣሎ። ካብ ወልድያ ዝመፁ ኣለዉ። ነብሶም ከውፅኡ ሓጊዝናዮም ዝብሉ መሰኻኽር ቴሌቭዥን ቀሪቦም እውን ኣለዉ። ክንደይ ይንገር ኣሎ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካልኦት ከ ይሞቱ ዶ ኣለዉ፤ ደቂ ካልኦት ብሄር? እወ! ከመይ ገይርካ ድኣ ስኽ ኢልካ ትመውት? ናዚ ንኣይሁድ ክቐትል እንተሎስ ጀርመናውያን እውን ዝሞቱ ኣለዉ። ኣብ ሩዋንዳ እውን እቶም ሓደ ሁቱ ዝብሃሉ ጎሳ ክቐትሉ እንተለዉ ካብ ባዕሎም እውን ተቐቲሎምዎም እየም። ስለዚ ተጋሩ እንትጭፍጨፉስ ገለ ፈተውቲ ሃገሮም ኣምሓሩ እውን ተጠቒዖም እዮም ዝብል ክኣምኖ ይኽእል እየ። ግን እቲ ዋና ጉዳይ ክኸውን ዘለዎስ እዞም ኣምሓሩ እዚኦም ንመን ከድሕኑ እዮም ዝቕተሉ ዘለዉ ዝብል እዩ። ንባዕሎም ድዮም ተደልዮም ነይሮም ካልእ ነገር እዩ። እቶም ተጋሩ እንዘተይህልዉስ እቶም ዘራያት ዝብሃሉ ዘለዉ ኣምሓሩ ኣይምተቐተሉን፤ዋላ ብኡ እንተኸይድካ። ግን ንምንታይ እቶም ተጋሩ ምኽንያት ሞት ይኾኑ ኣለዉ እንተኢልካ ቋንቆኦም ትግርኛ ስለዝኸነ እዩ፤ካልእ ኣይብላን።

ካብዚኣ ዝሓለፈት እዚኣ ገይሮም ዝበሃል ሓጥያት ኣይብሎምን። እንተዝህልዎም እውን እኳስ ሰብ ኣይኮነን ዝፈርዶም፤ ሕጊ ኣሎ። ገዛ እንዳ ተጋሩ እናፈለኻ ምቅፃል እንታይ ኣምፀኦ? ባዕሎም እቶም ናይ ክልል ኣምሓራ ኣመራርሓ እውንስ ነዚ እኳ ከይነቕፉስ ናትና ሰባት እውን ሞይቶም እዮም ዝብል ርእይቶ እንትህቡ ሰሚዕና። ኣብ ገዛኻ ንዘዕቐበ እኮ ኢኻ ከለላ ክትከውን ዘለካ። እዘ እዩ ክግበር ነይርዎ እምበር ካሊእስ ኣይኮነን።

ቀንዲ ፍልፍል እዚ ከምዚ ዝበለ ግፍዕታት እንታይ እዩ ትብል?

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈርስስ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብምውቃዕ እዩ ዝብል ግጉይ ሓሳብ ዘተኣኻኸቦ ሓደ ሓይሊ እኒሀ። እሞ የብፅሕ ዶ እዚ መንገዲ እዚ? ንዓይ ኣይመስለንን። ዝገደደ እኳ የጠናኽር ይኸውን። ግን ኣነ ዝብል ከምዚ ዝበለ ኣተሓስባስ ንምንታይ ኢና ዘይንገድፎ? መንግስቲ ሕማቕ እንተኾይኑስ ንሓደ ጥራይ ሕማቕ ክኸውን ኣይኽእልን። ንዝተወሰነ ብሄር ክኸውን ኣይክእልን። ፖሊሲኡ ሓደ እንድዩ ግዲ። ስለዚስ እቶም ታራ ተጋሩ ዜጋታትስ ኣብ ፅቡቕ ኮነ ሕማቕ ስራሕ እቲ መንግስትስ እንታይ ኣለዎም? ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ኣምሓሩ፣ ኦሮሞ፣ ጉራጌ ወዘተ ፅላልን ዋሕስን ፀጥተኦም ምምሕዳርን ህዝብን ትግራይ እዩ። ንዝበፅሖም ዝኾነ ዘርኣዊ ጥቕዓት ተሓተትቲ እዮም። ኣብ ካልእ ንተጋሩ እውን ከምኡ እዩ። እዚኣ ንኩልና ማዕረ መምርሒት እያ።

እቲ ናይ ተጋሩ ጥቕዓት ከነኣኣሱ ዝሓስቡ ሰባት፣ ድፍን ድፍን ኣቢሎም ክሓልፉ ዝደልዩ ሓይልታት፣ ካብታ ትግራዋይ ባዕሉ ዝፈጠራ ኢትዮጵያ ከይወፅእ ዝስጋእ ዘሎ ናይ ዓሻ ስግኣት ወዘተ ኣነ መልሲ ኣለኒ። ፈለማ ዝደለየ ድኣ ይግንፀል እምበር ትግራዋይ ናብ ዝግንፀሎ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። እቲ ካልእ ናይ ዘርኣዊ ጥቕዓት ሕቶ ግን ሰለስተ ነገራት እየን።

ሓደ፥ “ተጋሩ ብዘርኦም ምኽንያት ኣይተቐተሉን።ተጋጊኻ ኢኻ።” ዝብል እዩ። በዚኣ ዝምጉት በዓል መረዳእታ ካብ የማን ናብ ፀጋም ክመፅእ ይኽእል እዩ። እዚኣ እታ ሓንቲ እያ።

ካልኣይቲ፥ “እወ ተቐቲሎም እዮም።ግን ጌጋ እዩ! ከምዚ ዝብለ ነገር ከየጋጥም እንታይ ክንገብር ኣለና ኮፍ ኢልና ንዘራረብ” ዝብል እዩ። እዚኣ እውን ካልእ ምላሽ እያ።

እታ ሳልሳይቲ፥ “እወ ተቐቲሎም እዮም ብዘርኦም ምኽንያት። ኣበጀና!” እትብል ሳልሰይቲ ምላሽ እያ።ካብዚአን ሓንቲ እዩ እቲ ምላሽ ክህብ ዝደሊ ሰብ ክመርፅ ዘለዎ። ኣነ ኣብ ቁፅሪ ክልተ ኮይነ እየ ተዛሪበ።

ዓንቀፅ 39 ከም ሓዱሽ ኣጀንዳ ዝኾነትሉ ኩነታት ንዕዘብ ኣለና።ኣብዚ እንታይ ኢኻ ትብል?

ጉዳይ ዓንቀፅ 39 ዝመፅእ ነቶም ቅድም ክብል ዘልዓልኩዎም ሰለስተ ሕቶታት ኣብ ዝውሃብ መልሲ እዩ ዝድርቶ። ኪዱልና እውን እያ እኮ ትብል ናተይ ሓሳብ። ኣነ እንድሕር ትቐትሉና ኮይንኩምሲ ኪዱልና እምበር ስለእትቐትሉናስ ክንግንፀል ኢና ኣይበልኩን። ምቕታል እውን ኣይንኽእልን፤ ባህልና እውን ኣይኮነን። ግን ክንመውት ስለዘይንደሊ ባዕልና ንባዕልና ክንክላኸል ኣለና እዩ ዝተብሃለ። ካብዚኣ ወፃኢ ምንም ዘበኣሰና ነገር የለን። ታሪኽ እውን እንተኾነ ፈላጣት ኣኪብና ክነፅሕፎ ንኽእል ኢና። ታሪኽ ንክንሓብር ይሕግዘና እዩ። ሕዚ ብሓባር ንክንነብር ግን ናትና ስምምዕ ጥራሕ እዩ እምበር ታሪክ ኣየገድደናን።

ኣብ መሬት ከባእሰና ዝኽእል የለን። ስለዚ ብስምዒት ኣይትተሃንደዱ ኢና ዝበልና። ሰብ እንተሞይቱ ዝምለስ ኣይኮነን። ናብ ራሽናል መፍትሒ ንምፃእ እዩ። እቲ ዓንቀፅ ኣብ ሕገ መንግስትና ኣሎ። እዚ ኮይኑ እናሃለወ ንምንታይ ተልዓለ ምባል ኣይቕበሎን ዝብል ሓሳብ ንምግላፅ እንተዘይኮይኑ ትርጉም ኣይብሉን። ንኢትዮጵያውያን ዝጭፍጭፍ ሓይሊ ግን ምሳና ምንባር እንተዘይደሊኻ ነታ ዓንቀፅ ተጠቒምካ ብሰላም ናብ መፍትሒ እተው እዩ ተባሂሉ።

ብስሩ እባ መምህር ብዛዕባ ምግንፃል እንታይ ትብል?

ዓንቀፅ 39 እነታይ ምስ ኮንካ ኢኻ ትወስዳ እያ እታ ቀንዲ ሕቶ። ትግራይ ንኺድ ዝበለ የለን። ናበይ ክንከይድ ንሕና ድኣ? ንሕና እኮ ኢና ኢትዮጵያ። ናህና ታሪኽ ዘየድልዮ እንተሃልዩስ ይኺድ። ይትረፎ እንዶ እቲ ናትና ፊደል ምጥቃም፤ ይኺድ። ናህና እዩ ዝብሉስ ካበይ ኣምፂኦምዎ? እንድሕር ትቐትሉናስ እዚ ኩሉ ፀጋ ገዲፍኩም ኪዱ እየ ዝበልኩ። ምግንፃል ንትግራይ ኣይኾንን። ምኽንያቱ ናበይ ኢኻ እሞ ክትግንፀል ኢትዮጵያ እንዲኻ። ኢትዮጵያ ማለት እንታይ ከምዝኾነ ኣቐዲመ ገሊፀዮ ስለዝኾንኩ በዚ ኣምር እዚ እቲ ዝተዛረብክዎ ምስቲ እምነተይ ኣይጋጨውን።

እናሞትኩም እውን ስኽ በሉ ምንባር ይከኣል እዩ ዝብል እንሕር ኮይኑ እቲ ዝብሃል ዘሎ እሞ እናሞትካ ከመይ ኢልካ ብሓባር ከምዝንበር ዘረድእ ሰብ ይምፃእ። እናሞትካ እውን ብሓባር እውን ምንባር ከምዝከኣል ዘረደኣኒ እንድሕር ረኺበ ክወስዳ እኽእል እየ። ግን ክርድኣኒ ኣለዎ።

ስለዚ ኣብ ጉዳይ ዓንቀፅ 39 ወይ እዚ መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝብሃል ነተን ሕቶታት ብእንህቦ ምላሽ ኢና እንውስኖ ዝበልኩ በዚ እዩ። ዓመፅ ኣይተፈፀመን ይበሉና። ከምዝተፈፀመ ዝሕብር መረዳእታ ክንእክብ። ተፈፂሙ እዩ ግን ጌጋ እዩ ይበሉና ነቲ ጌጋ ንምእራም እንታይ ከም እንገብር ግብራዊ ዝኸውን ምላሽ ንደሊ። እወ ተፈፂሙ እዩ ኣበጀና እንተኢሎም ግን ዝመስረትናዮ ዓድና ገዲፍና ናበይ ክንከይድ ንሕና፤ ንሳቶም ግን ይኺዱልና።

ናይቲ ሰብና ምርድዳእ ኩነታት ከመይ ኢኻ እትርእዮ?

ኣነ ይገርመኒ እዩ። ገገሊኡ ሰብ ከመይ ከምዝሓስብ ይገርም። ናተይ ስም ኣልዒሎም ናተይ ስም ብምፅላም ክሽየሙ ዝሓስቡ እንተሃልዮም ተጋግዮም እዮም። መጀመርያ ዘይበልካዮ ኣልዒሎም ከምዝበልካዮ የቅርቡ። ድሓር ምስኡ ምስቲ ባዕሎም ዝፈጠርዎ ነገር ይካትዑ። ኣብ ማእኸል ሰብ የደናግሩ። ገሊኦም ከም ሓደ ወኪል ህዝቢ ገይሮም ይወስዱኻ። ሓደ ሰብስ ከም ሰብ ከም ዜጋ ዝመሰሎ ሕቶ ንዝምልከቶ ሰብ ዶ ምቕራብ ኣይኽእልን እዩ? ኣነ ንሳ እየ ገይረ። ድሓር መን ወኪሉኳ ከዓ ይብሉኻ። ወኪል እየ ዘይበልካ እናሃለኻ። ንሱ ኸ ኣይትውክለናን ክብለካስ ውክልና ዶ ክውሃቦ ኣይግብኦን እዩ ባ ብስሩ? ከም ትግራዋይ ዜጋ እየ ዝሓትት ዘለኹ።

ምሁር ዲኻ ኸ ዝብሉ እውን ኣለዉ። እዚኣ ንምባልስ ዜጋ ምዃን እምበር ደረጃ ትምህርቲ እውን ኣየድልዮን። ዝርኣኻዮ ሕማቕ ነገር ንምዝራብስ ምህሮ ኣይሓትን። ዝኾነ ሰብ በደል ይበፅሓና አሎ ኢሉ ክዛረብ ይኽእል እዩ። ምሁሮ ዘገድስ ኣይኮነን። እቲ ወግዒ ብዛዕባ ምምሃር እንተኾይኑ ድማ ኣነ ከም ሓደ ዝተምሃረ ሰብ ዝመሰለንን ንህዝበይ ይጠቅም እዩ ዝበሎን ብቅንዕናን ብምኽንያታውነትን የቕርብ። ኣነ ብቕንዕና እየ ኣቕሪበዮ። ህዝበይ እዩ እዚ ኢለ እየ ፀገሙ ዝዛረበሉ ዘለኹ፤ በታ ዝተሰመዐነትኒ መሰረት፤ ከም ውልቀ። ንሳቶም እውን እኮ ህዝበይ እዮም። ግን እንድሕር ስመይ መሰረት ገይሮም ዝቐትሉንን ኣይናትናን ኢሎምኒ ግን ከመይ ኣቢለ ድኣ ተጋጊኹም ኢኹም እምብኣር ናትኩም እየ ክብሎም? ብስሩ ግን ኣነ ኣብ ክንዲ ቐተልቲ ሰባት ኮይነ ኣይሙግትን።

እዞም መጥቃዕታት እዚኦም ናይ ውልቀ ሰባት እዮም ኣይ ህዝቢ ከም ህዝቢ እውን ተሳቲፉሎም እዩ ዝብሉ ክትዓት ይራኣዩ እዮም።ከመይ ኢኻ ትርእዮም?

ኣነ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕታት ዘሚቱ እዩ ኣይብልን። ኣይበልኩን እውን! እንተኾነ ግን እቶም ጉሓላሉ ሰብ ዘርኡ ፈልዮም እንትቐትሉ እቲ ህዝቢ ግደፍ ክብልን ምእንተ ህይወት ሰብ ክቃለስን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽልካል ይኽእል እዩ ህዝቢ። “ንምንታይ ትቐትል? ትግራዋይ ክትቐትልስ ስለምንታይ? ፅባሕ እኮ ንዓይ እውን ከምኣ እያ።ኣብ ትግራዋይ ዝጀመረት በትርስ መወዳእታ ናባይ እያ።” ኢሉ ክግስፅ ኣለዎ ህዝቢ እውን እንተኾነ።

ኣነ ማንም ሰብ ክመውት ኣይብሉን ኢለ እየ ዝብገስ። ዝኾነ ግፍዒ ድማ ክቃወም ኣለዎ እቲ ህዝቢ እውን። ግፍዒ ብምንም ኩነታት ቕቡልነት ኣይብሉን። ምስ ፖለቲካ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ ናይ ፖለቲኩኡ ይግበር እየ ዝብል ዘለኹ። እንተዘይኮይኑ እቲ ነገር ሓላሊኽካ ብእከለ ዝመፀ እዩ ናይ ክስቶ ኢድ ኣለዎ ገለመለ ኣብ ዝብል ዘይረብሕን ናብ መፍትሒ ዘይወስድን ነገር ዕንክሊል ምባል ዋጋ የብሉን። ህዝቢ ኣብዚ እዩ ክሕግዝ ዘለዎ። እቲ ቕትለት ናይ እከለ ኢድ ኣለዎ እንተበልካስ ነቲ ዝሞተ እንታይ እዩ ክገብረሉ? መፍትሒኣ ሞት ወይ ቅትለት ጠጠው ክትብል ምግባር እያ።

ሕዚ እንታይ ንግበር? ግደ ተጋሩ ኸ?

ኮፍ አልና ንዘራረብ። ተጋሩ ይጥቅዑ ዶ ኣለዉ? እዛ ሕቶ እዚኣ ምስተጋሩን ንተጋሩ ምስ ዝወከለ ፖለቲካዊ ውድብን ኢኻ እትዘራረበላ። ህወሓት ብዛዕባ ህዝቡ ይሓስብ እዩ። ንሕና እውን እንሓስቦ ኣለና። ስለዚ ኮፍ ኢልና ንዘራረብ እሞ መፍትሒ ነናዲ። እቲ ንሱ መፍትሒ ዝብሎ እውን እንድሕር ኣሚንናሉ ተሓጋጊዝና ንሰርሕ። ስለዚ ኮፍ ኢልካ ምዝርራብ የድሊ።

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጥቕዓት ኣይበፅሐን ዝብል ኣይኮነን እቲ መንግስትና ኢለ እየ ዝኣምን። ትማሊ እውን ዶክተር ደብረፅዮን “ዝተፈናቐሉ ወገናት ኣለውና። ንዓኣቶም ብዝከኣል መጠን ነጣይሾም ኣለና። ከምኡ ዓይነት ሽግራት ከይድገም እውን ንሰርሕ ኣለና። ብሕጊ እውን ክሳብ መወዳእታ ክንከታተል ኢና” ይብል ኣሎ። በቃ እዚ መሰረት ገይርካ ኢኻ እትዘራረብ። ዝኣክል ሰሪሕኹሙልና ኢኹም እዚ ይተርፈና ኣሎ፤ እዚ ኣይተረደኣናን እዚ ከ ከመይ እዩ ክንብሎም ምቅርራብ የድሊ። መፍትሒ እንብሎ ኩሉ ንነግሮም፤ ንሱ ምውሳድን ዘይምፍታውን ድማ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ናታቶም ጉዳይ ይኸውን። ንሕና ነቲ ፖለቲካዊ ውድብ መፍትሒ ዝበልናዮ ነጊርናዮ እሞ እቲ መፍትሒ እናወሰደ ወይ እናተግበረ እናሃለወ ኣይወሰድን ይብለና እዩ ኢለ ኣይኣምንን። እንተኢሉና ድማኒ እሞ እቲ ውድብ ነዚ ጉዳይ ከመይ ከምዝርእዮን ይፈትሖ ከምዘሎን ክንርዳእ ንደሊ ኢና። ካብ ህይወት ዝዓብይ ነገር የለን።

ሱቕ ኢልካ ሱቕ እንዶ በሉ እቲ ነገር ከይጋደድ ዝብሃል ዘረባ ኣይርድኣንን ዘሎ። ዝብኢ እዩ ዝበልዓኒ ዘሎ እሞ ስኽ በሉ ከይተውዱኡና ኢሉ ዝብሃል ናይ ቀደም ፅውፅዋይ ኣሎ። ከምኡስ ትኽክል ኣይኮነን። ዝብኢ ኣይንደሊ ክንብላዕ ኣይንደሊ።ስለዚ ንዘራረብ ዝብሃል ዘሎ ውሑስ ህላወ ክህልወና እዩ። ንሳቶም እውን ይዘራረቡ እሞ እቲ መደምደትኦም እውን ክንሰምዖ ንደሊ ኢና።

ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድብ እኮ ዝርርባት ከምዝግበር ካብ ገለ መግለፅታቶም ምግንዛብ ይከኣል እዩ?

እሞ ንሱ ይንገሩናያ። ስኽ በሉ ከይጋደድ ዝብሉና ዘለዉ እምበኣር ዝእመን ነገር እናነገርዎም እዮም፤ ዲና ክንብል? ከምኡ ከንይብል ድማ እናገደዶ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ ክንሰምዖ ንደሊ ኣለና። ብስሩስ ብዛዕባና ውሑዳት ሰባት ክዘራረቡልናስ ከመይ ገይሩ እዩ ትኽክል ዝኸውን።

ኩሉሻብ መትከላዊ ንክትኸውን ኢኻ ክትፅዕር ዘለካ። ህዝቢ ይጉዳእ ኣሎ። እቲ መጉዳእቲ ድማ ተዘራሪብናሉ መፍትሒ ክመፅእ ክኽእል ኣለዎ። እዚኣ እያ።

መምህር ክትፅሕፍን ኣስተምህሮታት ክትህብን እንተለኻ ከም ፖለቲከኛ ዲኻ ዋላ ከም ምሁር ከመይ ኢኻ እትቐርብ?

ኣነ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን። ናይ ዝኸነ ይኹን ውድብ ኣባልነት ኣይብለይን። ኣነ ዜጋ እየ። ዝፅሕፎ ኾነ ዝዛረቦ እውን ከም ሓደ ዜጋ እምበር ከም ምንም ኣይኮነን። ብዛዕባ ሕብረተሰበይ CONCERN ዘለኒ ሰብ እየ እምበር ካልእ የብላን። ፖለቲካ ሳይንስ ተማሂሩ እየ ዶ ካልእ ዶ ዝብል ምስቲ ዝብሎ ዘለኹ ምትእስሳር ኣይብሉን። ንሱ ንዝዛረቦ ነገር የራጉደለይን የቕጥነለይን እንተዘኮይኑ ካልእ ምንም ፅልዋ ኣይብሉን። ብስሩ ግን እቲ ኣነ ኣብ ዙርያ መጥቃዕቲ ተጋሩ ኣድሂበ ዝበልክዎ ምስ ምምሃር ኣይተኣሳሰርን። ዝኾነ ሰብ ክብሎ ዝኽእል ታራ ነገር እዩ።

ምስ ቁሸት ዝተሓሓዝ ነገር ኣይብሉን። ሰብ እናተቐተለ ክቕተል ኣይብሉን ኢልካ ንምዝራብ ምስ ታሪኽ ኢትዮጵያ ምፍላጥን ዘይምፍላጥን እውን ዘተሓሕዝ ኣይብሉን። ኢትዮጵያ ክንድድላያ ታሪኽ ይንበራ ኣይንበራ …. ሰብ ክቕተል ኣይብሉን። እንድሕር ደሊኻ ኣነ ታሪኽ ኢትዮጵያ ታሪኸይ ስለዝኾነ ታሪኽ ትግራይ ስለዝኾነ ብመፅሓፍ ጥራይ ኣይኮንኩን ዝፈልጦ። ኣቦታተይ ኣበይ ከምዝወደቑ ኣፀቢቐ ዝፈልጥ ሰብ እየ። እዚ ግን ታሪኽ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ምፍላጥ ምስቶም ዝቕተሉ ዘለዉ ተጋሩ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። ክተኣሳሰር እንተኽኢሉ እዚ ኹሉ ታሪኽ ዝፈፀምና ሰባትስ ሕዚ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣለና ኢለ እየ ዝሓትት ዘለኹ።

ታሪኽና ጠቒሙና ዶ ኣይጠቐመናን? ኣይኮነን እቲ ሕቶ ዝኸውን ዘሎ። ንሱ መንነትናን ክብርናን እዩ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ግን ድላይካ ወዲ ሓረስታይ፣ ወዲ ሰራሒ ማዕፂድ ኩን ካልእ ትግራዋይ ብምዃንካ ክትውቃዕ ኣይብልካን፤ እየ ዝብል ዘለኹ። ናይ ኩላትና Concern እየ ዝዛረብ ዘለኹ። እዚኣ ንምበል ድማ ፖለቲከኛ ምዃን ኮነ ምሁር ፖለተካ ምዃን ኣይትጠልብን።

ታሪኽ ኢትዮጵያ እንተዘይፈልጥ ከ? እሺ ኣይፈልጥን ንበል። ኣሕሚሙኒ ኢልካ ንምዝራብስ እንታይ እዩ ዝዓግተኒ ኮይኑ። መን ንጉስ ነበረ ገለመለ ኣይንፍለጥ ዋላ ብዛዕባ እታ እተሕምመኒ ዘላስ እንታይ ይኣብየኒ ምዝራብ። ኣሕሚሙኒ ንምባልስ ብዛዕባ ሕማማት ዶ ምፍላጥ ግድን ይብለኒ እዩ? በቃ እታ ሽዓ ዘሕመመትኒ ከብዲ ቁርፀት ወይ ርእሲ ፍልፀት እንተፈሊጠ እኹል እንድዩ ግዲ። ኣብታ ኣውራምባታይምስ እውን እዚኣ እየ ዝበልኩ። እተደናግር ኣይብላን!

ሕዚ ብፖለቲካዊ መራሕቲ ትግራይ እውን ዝልዓል ሓደ መፍትሒ ዘሎ ቅሩብ መስዋእቲ እናኸፈልናስ ምእንቲ እታ ዓዲ እንዶ ንተዓገስ ዝብል ዓይነት እዩ ዘሎ እሞ ኣብዚ እንታይ ኢኻ እትብል?

ንምንታይ ከምእንስዋእ እሞ ተሰዊእና እንረኽቦ ረብሓ ብግቡእ ንረዳኣዮ። ንሕና ናይ ፋሲጋ ገንሸል ኣይኮናን ስኽ ኢልና ክንሕረድ። ደምና እነፍስሰሉ ምኽንያትስ ከመይ ኮይንና እዩ ክኸውን ዘለዎ እየ ዝብል ዘለኹ ኣነ። ጥዑይ ሞት አውን ክንመውትስ እዚ ክፍለጥ ኣለዎ። ስኽ ኢልካ ንሰዋእ ኣይኮነን። እቲ መስዋእትነት ዘድልየና ዘሎስ ንምንታይ እዩ? እንታይ ስለዝኾነ?

ኣነ ሃገር ኣይንደልን ኣይበልኩን። ሃገር ዘየድልዮም እትሃልዮም ግን መስርሕ ኣለዎ እየ ዝበልኩ። እዛ ሃገር እዚኣ ክንሕልዋ ግን ምሟት ዶ የድልየና እዩ? ምንባር ምስ ዝደልዩስ ክንተርፍ ንኽእል ኢና እየ ዝበልኩ። ድሓር ከዓ ሕገ መንግስቲ ጠቒሰ እየ ዝተዛረብኩ፤ዘይደለየ ምኻድ ይኽእል እዩ።

ሕዚ እማ…. ዓንቀፅ 39 ክሰምዕ ኣይደልይን ዝብል እንተኾይኑ እውን ገዝኡ ብደንቢ ገይሩ ይሓልው። ኢዱን እግሩን ካብ መቕተልቲ ይኣርንብ። ስርዓት ገይሩ የመሓድር። ዝተፈቓቐደሉ ውዕልን ስርዓትን ይገብር። ካብ ውዐሊ ንላዕሊ እንድሕር ሃሊና ኮይና ብምህልላ ኢና እኒሀና ማለት እዩ።

እምብኣር ብንፁር ንዘራረብ እንድሕር ተባሂሉ ንሕና ኣብዛ ሃገር ውዕሊ እዩ ዘለና black and whit. ዩጎዝላቭያ ውዕሊ ነይርዎም፤ ኮንትራክቶም ኣይሰርሐን ተበቲኖም። ዝጥርንፎም ስለዝሰኣኑ፣ ዲሞክራስያዊ ኣተኣላልያ ስለዘይነበረ ተበቲኖም። ግጭት ምስ በዝሐ እማ ምፍልላይ እዩ ዝመፅእ። ምፍልላይ ፅቡቕ ከይኑ ኣይኮነን። ግን ካብ ምሟት ይሓይሽ።

ኣባና እውን ኮንትራክት እዩ ዘለና። እዚ ኮንትራክት እዚ ብትኽክል ንኽከይድ ንግበሮ እየ ዝብል ዘለኹ። ንሱ ብግቡእ እንተኸይዱስ ንሕና እንታይ ፀገም ኣለና? ኣነሲ ይትረፍ ዶ ብታሪኽ ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ከም ህዝቢ ንኣፍሪካ መሪሕና ብዓወት ክንወፅእ ዘኽእል ዓቕሚ ክንፈጥር ኣለና ኢለ ዝሓልም ሰብ እየ። ፓን ኣፍሪካኒስት እየ። ፓን ኣፍሪካኒዝም ንኽድግፍ ግን ኣወሃሂዱ ናብ ዓወተ ከብፅሕ ዝኽእል ሰላማውን ርጉዕን ካብ ጎንፂን ገለን ኣውፂኡ ዝሓሸ ህይወት ክህልው ዝገብር እንተኾይኑ እዩ እምበር ኩሉ ኣፍሪካ ሓንቲ ንክትኾን ብዝብል ዕሙት ኣረኣእያ ኣይኮነን። ህዝብታት መሰሎም ተኸቢሩ በብናይ ባዕሎም ቃሕታ ዝነብሩላ ውህደት ንምፍጣር እዩ፤ እሞ ብምድግጋፍ።

ኣብዚ እኮ ጉድ እዩ፤ ትግራዋይ ሃፍቲ ኣጥርዩ ተባሂሉ ዝቕጥቀጠሉ ኩነታት እኮ እዩ ዝኒሀ። ኣብዚ ኣብ ኣፍሪካ እኮ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሓደ መንጃ ፍቓድ ሒዝካ ኣብ 6 ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ ክትዝውረሉንስራሕ ክትቁፀረሉን እትኽእል መንጃ ፍቓድ ኣሎ። ሽድሽተ መንግስታት ሸቃላይ ህዝብና ኣብ ድልየቱ ሃገር ከይዱ ብናፅነት ክሰርሕ ይኽእል እዩ፤ ዝብል ሓበራዊ ሕጊ ኣለዎም። ኢኮኖሚኦም ናብ ጥምረት ይወስድዎ ኣለዉ። ናትኩም ታርጋ ዝለጠፈት ብመሬትና ኣይትሓልፍን ዝብል የለን። ናትኩም ኢንቨስትመንት ኣይንደልይን ዝብል የለን። እዚ ብደረጃ ብዙሓት ሃገራት እዩ። ተሪፍዎም እኳ ናብኦም ሰብ ይስደድ ኣሎ።

እዚኣ ምግባር ዘይተኸኣለትላ ሃገር እኮ ኢና ዝነሀና። እዚ እሞ ይትረፍ ኣባና መፂእኻ ቐምቂምካ፣ ኣብዚ መፂእኻ ባኒ ሸይጥካ፣ ኣብዚ መፂእካ ኣምሂርካ ዝብሃለሉ ብርኪ ኢና እኮ በፂሕና ዘለና። ወሊደን ቀሊበን ዘየዕበይኦ ጉልበት ሰብ ዝፍንፍና ክልላት እኮ ኢና ዘለና። ኣይንደልየካን ምኽንያቱ ቋንቋኻ ከማና ኣይኮነን እኮ እዩ ዝብለካ ዘሎ። እዚ ከይተረዳእኻ መስዋእቲ ንኽፈል ዝብሃል ኣነ ኣይተረዳኣንን። ርግፀኛ እየ መራሕትና ካባይ ንላዕሊ ነቲ ፀገም ኣፀቢቖም ይፈልጥዎ እዮም።  

ሕዚ ምምሕዳራዊ ፀገም ኣለና እንተኢሎም ይምፃእ እንዶ እቲ ፀገም ብሓደ ንኣልዮ። ንሕና ዲና ኸ ኣምፂእናሎም እቲ ፀገም? 6% ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ፓርላማ ከይዱስ ከመይ ኣቢሉ እዩ ነቲ ልዕሊ 90% ህዝቢ በሊፅዎ? ኣብኡ እንዶ ኣየድልየናን ይበሉን እንታይ ፀገም ኣለዎ። ንሕና እታ ውሽጥና ዝትንክፈና የለን። ንሕና እንተዘይሒዝናዮ እዚ ሃገር ብዘይካና ኣይኾንን ዝበለ እንተሃልዩ ካባና እውን ተጋጊኻ ንብሎ። ይሓዝወንዶ።

ሕዚ እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ?

ፈለማ ንቲ ሽግር ኣፍልጦ ንሃቦ። ካብኡ ከምቲ ዝበልክዎ ምስ መንግስትና ንዘራረብ። መንግስትና ንሱ ክገብሮ ዝግባእ ይውሰድ። ህዝቡ ንሕና ድማ ክንገብሮ ዘለና ንወስድ። ሕዚ ሓይልና ክንብትን ኣይንኽእልን። እዚኣ እውን ተዛሪበያ እየ። ካልእ ንሕዚ ዘርክበልና ሓይሊ ስለዘየለ ሓይልና ነጠናኽር። እዚኣ ብምግባር እያ ሕዚ እውን ተጋሩ ኣብ ህንፀት እዛ ሃገር ከም ታሪኽ ኣቦታትና ክንሕግዝ እንኽእል።

መንግስትን ውድብን ነቲ ሰለባ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ንምጥያሽ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኮነ ዝኣተዎ ቃል ናእዳ ኣለኒ። ይኣክል ድዩ ኣይኣክልን ዓቕሚ ይፈቕደሉ ድዩ ኣይፈቕደሉን ባዕሉ እዩ ዝፈልጦ። ኣብዚ ተሃድሶ እውን ምሁርን መንእሰይን ክነሳትፍ ኢና ዝብልዎ ነገር ኣሎ። ከመይ ከምዘሳትፉ ናይ ባዕሎም ሐሳብ ይህልዎም። ቅድሚ ሕዚ ኣየሳትፉን ነይሮም ማለት ግን ኣይኮነን።እቶም ዝነበሩ ናይ ተሳትፎ መንገድታት ኣይሰርሑን እዩ ክኸውን ዝኽእል። ስለዚ ክንድቲ ዝድለ ዕግበት ኣየምፅኡን።

እቲ ምሁር እንታይ እንተገበረ ኣብ ህንፀት ትግራይ ኣስተዋፅኦ ክህልው ይኽእል ዝብል ክንዘራረብ ንኽእል ኢና። እቲ መንእሰይ እውን ስኽ ኢሉ ዝተበተነ ክኸውን ኣይብሉን። ምኽንያታዊ እውን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ርድኢት ዝተመስረተ ፍልጠት ክህልዎ ኣለዎ። ብምፅራፈን ብምድህሃልን ዝመፅእ ምዕባለን ምምሕያሽን የለን። ንሱ ዝመፅእ እውን ብዙሕ ካብ ዘይምርዳእን ብጥልቀት ካብ ዘይምሕሳብ እዩ ዝመፅእ። መፈክራዊ ፍልጠት ሒዝካ ካብ ምንጓድ እዩ ዝመፅእ። ኣብቲ መንእሰይ ዘሎ ፀገም ንምእላይ ዘኽእል ዓቕምን ክእለትን ድማ ዘይምሓዝ እዩ።   ንነብስኻ ኣጋሊፅካ ናብ ዘይተደለየ መደምደምታ ትበፅሓሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ። ኣብዚኦም ክልቲኦም መንግስቲ ክሰርሕ ኣለዎ። ናይቲ ፀገም ተጠቃዕቲ እውን ይኾኑ ስለዘለዉ።

ከም ዜጋ ፀገም ሓረስታይ ብጣዕሚ እዩ ዘሕስበኒ። እቲ ድኽነት ኣብ እንግድዓ ሓረስታይ እዩ ዘሎ። ንሁር ፃዕቒ ምኽታም ትግራይ መንቀሊኡ ፀገም ሓረስታይ እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ኣዝዩ የድልዮ። ብደቂቕ ዝትለም (Development mapping) ምስ ሕድሕድ ጣብያን ቁሸትን ተገናዚቡ ክስርሓሉ ኣለዎ። ናይ ገጠር መኳንንቲ ዘይብሉ ሕድሕድ ህይወቱ ከመሓይሸላ ዝኽእል ኣሰራርሓ ክዝርግሓሉ ይግባእ። ካብ ንተቆፃፀርቲ ኣብ ልምዓት ዝውዕል በጀት ክበዝሕ ኣለዎ። ንሓደ ዓመይ ዘይኮነስ ን20 ዓመት ዘገልግል ነናይ ቁሸት/ጣብያ ትልሚ ብናቱ ተሳትፎ ክወፅእ ኣለዎ።

እዚ ድማ ሰብ ከይተሰደደን ከይተደረዐን ነታ ናተይ ዝብላ ኣልሚዑ ብዝጭበጥ ተስፋን እምነትን ክነብር ይገብሮ። ተሰዲድዳ ኣይትግፍዑኒ ካብ ምባል ኣብ ናይ ባዕልኻ ተኣማሚንካ ክትነብረሉ እትኽእል ሃዋህው ምፍጣር ነቲ ዝራኣይ ዘሎ ፀገም ቀንዲ መፍትሒ እዩ።

ኣብ ሓፂር እዋን ምስቲ ቅድም ኢለ ዝበልክዎ እቲ ንፀገማት ዝውሃብ እፍልጦ ዝተስተኻኸለ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲናይ ቆቦን ወልድያን መቕተልቲ ምስ ኣጋጠመ እቲ ናይ ክልል ኣምሓራ መራሒ ዝብሃል ዝብሎ ዝነበረ ሕዝስ ዝገርም እዩ። እቶም መናእሰይ ከምዚ ዝበለ ፀያፍ ተግባር ዝሰርሑ ዘለዉስ ዝጎድሎም ነገር ስለዘሎ እዩ እሞ ክነስተኻኽል ኢና ገለመለ እዩ ኢሉ። ዋእ! እሞ ንሳቶም ዝጎደሎም ነገር እንተሃለወስ ንዐኦም ይብልዎም እምበር ነቲ ምስኦም ዝነብር እንታይ ግበር ይብልዎ? ትግራዋይ ከ እንታይ ተገይሩ ይቕተል? ብስሩ ኸ እቲ ትግራዋይስ ነቲ ኣጉዲለ ዝብል ዘሎ መራሒ ዝበሃል ሰብ ከውርድ ይኽእል ዶ? እንድሕር ከምዚ ዘይኮይኑ እቲ ሰብኣይ ካልእ ኢድ ኣለዎ ማለት እዩ። ኣየኹም ቀፅሉ ማለት እያ ትመስለኒ እታ ዘረብኡ።ከም መራሕስ ዝደለኻዮ ክትረክብስ እምኒ ደርቢ ዝብል መልእኽቲ ከመይ ኣቢሉ የመሓላልፍ? ዝገረመ ነገር እዩ።

ሓቆም እዮም ዝብሃል ነገር ኣለልካ ዋላ ኣብዚ እውን ዝሰምዖ። እቲ ናይ ትግራይ መንእሰይ ንዓይ ርዝን ዝበለ እዩ ዝመስለኒ። “እምኒ ኣይንድርብን። መኪና ኣይነቃፅልን።ሰብ ኣይነጋፍዕን። ግን እዚ ንደሊ ኣለና።” እናበለ እንትፅሕፍ እየ ዝርእዮ። መንእሰይ ትግራይ ምእንቲ እምኒ ክድርቢ ተባሂሉ ብዙሕ ተባሂሉ እዩ። ብርዝነት ግን ሰላም ኣሎ።

መምህር እሞ ንዝሃብካና ነዊሕ መግለፅን መሳጢ ኣስተምህሮን ብስም ኣንበብቲ መፅሄት ውራይና የቐንየልና!

ኣነ እውን አመስግን!