መድሃንዬ ታደሰ (ፕሮፌሰር) ስሙይ ፖለቲካዊ ተንታኒ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪካን እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ውፁእ በዓል ሞያ እዩ።( professor of global studies, kinks college London. Vetran political analyst in Ethiopia nad the horn; academic specialist on peace and security issues in Africa. Senior SSR advisor to the African union. ) ፕሮፌሰር መድሃንዬ መስ ማነጂንግ ዳይርክተር ውራይና ጌታቸው ኣረጋዊ ዝገበሮ ስፊሕ ቃለ መጠይቕ እኒሆ፣ ሰናይ ንባብ።

 

ውራይና፦ ሕዚ ኣብ ዛሃገር ዘሎ ኩነታት እንታይ ክንብሎ ንኽእል? እቶም ዘለው ኣጀንዳታት እንታይ እዮም? እቶም ዘለዉ ሓይልታት ኸ መን እዮም ከመይ እዮም ዝርኣዩ? በዓል መን እዮም ኸ ብስሩ?

መድሃንየ (ፕሮፌሰር)፦ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከቢድ ናይ ለውጥን ናይ ፈተነታትን ጎደና ኣላ ምባል ይከኣል። እቲ ለውጢ ብብዙሕ መልክዑ እንትርአ መሊኡ ኣይተለወጠን። እቲ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ መሊኡ ኣይተለወጠን። ስለዚ ናይ ግጭት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ክኸውን ኣብ ዝኽእለሉን ናይ ፍትሕን ናይ ሰላምን ፖለቲካል ኢኮኖሚ ክኸውን ኣብ ዝኽእለሉን መንቀራቕር እዩ ዘሎ። ኣብ መንታ መንገዲ እዩ ዘሎ ማለት እዩ።

እቲ ካልእ ብወሳኒ መልክዕ ሕቶታት ቁጠባ፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ናይ ምሕደራ ሕቶ፣ ናይ ቅቡልነት ሕቶ ዝዓብለሎም ናይ ፀጥታ ናይ ድህንነትን ፀገማት የጋጥሙ ኣለዉ። ስለዚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ከምዚ ዝበለ አብ መንታ መንገዲ ከቢድ ለውጥን ከቢድ ፀገምን ዘላ ሃገር ገይረ እየ ዝወስዳ።

እዚ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክግለፅ ይከኣል። እቲ ዓብዪ ዝመስልኒ ግን ስርዓተ መንግስትን ሃገርን ኣብ ምምስራት፣ ናይ ብሄር ሕቶን ናይ ዜግነት ሕቶን ኣብ ምውዳድ፣ ናይ ቁጠባ ስግግርን ናይ ፖለቲካ ስግግርን ኣብ ምርግጋጽ ኣብ ከቢድ ዝኾነ ወሳኒ መድረኽ ዘላ ሃገር እያ ኢለ እየ ዝወስዶ።

ብትኽክል እንተተጠቒምናሉ ዓብዪ ዕድል እዩ። ነዚኦም ፈቲሕና ነታ ዓዲ ኣብ ዝተደላደለ ፖለቲካል ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣብ ምህናፅ ዓብዪ ዕድል እዩ። ዕምቆት ፀገማቱን ብድሆታቱን ብትኽክል ተረዲእና ክንኣልዮ ተዘይክአልና ግን ሓደጋ እዩ።

ውራይና፦ እቶም ፀገማት እዚኦም ሕዚ ድኣ እሞ ከመይ ኢና ክንእርሞም? ከመይ ኢና ክንፈልዮም? ንኣብነት ቅቡልነት እንተወሲድና ናይ ዘይቕቡልነት ምንጪ እንታይ እዩ?

ናይዚ ምንጪ ምስቲ ናይታ ዓዲ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታት ማዕረ እናኸድካ፣ እናሰዓብካ ካብ ዘይምፍታሕ እዩ ዝብገስ፤ ሓደ ናይ መሪሕነት ፀገም ክንብሎ ንኽእል። ነገራት ቀዲምካ እናጫነካን እናአመትካን ዘይምድላውን። እቲ ካልእ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝፈቕዶ ዲሞክራስያውን ሲቪላውን ናፅነታት ዘይምርግጋፅ እዩ። እቲ ሳልሳይ ብዓብይኡ እቲ ሕገ መንግስትን ፌደራሊዝምን ዘይምትግባርን ኣብ ድልዱል መሰረት ክነብር ዘይምኽኣል ነቲ ናይ ቕቡልነት መዳዩ ሸርሺርዎ እዩ። ስለዚ ተደጋጋሚ መፅብዓታት ይመፁ። ድሒሩ ተደጋጋሚ ፈተናታት ይቅልቀሉ። ነዞም ፈተናታት እዚኦም ግን ብሕገ መንግስቲ መሰረት ልዕልነት ሕጊ ተኸቢሩ፣ ናይ ዲሞክራሲ ቅቡልነት፣ ናይ ኢኮኖሚ ተጠቃምነት፣ ኣግላሊ ዝኾነ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ኣብ ምጥፋእ፣ ክንድቲ ዝድለ ስለዘይተኸደ ናይ ቅቡልነት ወይ ሌጅትመሲ ምጥፋእ እውን ኣጋጢሙ። ቅልውላው እውን ወሊዱ።

ውራይና፦ እቲ ህልው ኩነታት ብዓይኒ ምስረታ   ሃገር ከምቲ ዝፍለጥ ክልተ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ(ህንፀት ሃገርን መስረታ ሃገረ መንግስትን፣ nation building and state formation)፤ ከመይ ትሪኦ? እዚኦም ዝወልድዎም ምጉናፃት ከ ኣለዉ ዶ ትብል? ምሰቲ ብዝሃ ብሄርን በሄረሰባትን ዘለዎ ዓዲ ምዃኑ ኣተሓሒዝካ?

ኣነ ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ እውን ኣብ ታሪኽ ናይ ብሄር ጎንፂ ዓብዪ ጉዳይ እዩ ኢለ ኣይወስዶን። ናይ ብሄር ጎንፂ ካልኦት ኣብ ትሕቲኡ ብዝተሓብኡ ነገራት እዩ ዝጎሃሃር። ንኣብነት መሰል ዜጋታት ዘይምፍላጥ፣ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ዘይምርግጋፅ፣ መግለሊ ዝኾነ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ምህናፅ፣ ናይቲ ሓደ ላዕለዋይነት ብባህልን ተጠቃምነትን ወይ ድማ ምስ ሓደ ናይቲ መንግስቲ ቀረቤታ ልዕለ ትሕትነት እዩ ዝመፅእ እምበር ናይ ኢትዮጵያ ብሄራት ጎንፂ ኣይብሎምን፤ ዋላ ኣብ ታሪኾም ማለት እዩ። ስለዚ ክንፈተሖ ዝነበረና እውን ብሄራት ኣደራጅኻ ናይ ብሄራት መሰል ምሕላው ጥራይ ዘይኮነ ብምልኡ እቲ ምሕደራ እዩ ክንቅይሮ ነይሩና ማለት እዩ። ነቶም ብብሄር ደረጃ ዝርኣዩ ኣብ ትሕቲኦም ዝተሓብኡ ናይ ኢኮኖምን ናይ ፖለቲካን ሕቶታት መልሲ ብምሃብ ኣቢልካ እዩ እቲ ሕቶ ክምለስ ነይርዎ። ዋላ ናብ ህወሓት እውን ተመፂና ወያናይ ዲሞክራስያዊ ኢሉ እዩ መፂኡ። ወያናይ(ሪቮሉሸነሪ) እንተኾይንካ እቲ ናይ ሓይሊ ዝምድና ፈቲሽካ ክትቅይሮ እዩ ዘለካ። እዚ ተዘይገይርካ ወያናይ ኣይኮንካን ማለት እዩ። እቲ ናይ ሓይሊሚዛን ኣብ ክልላትን ማእኸልን ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ዘሎ፣ ናይ ሓይሊ ዝምድና፣ ናይ ተጠቃምነት ዝምድና ምቕያር ማለት እዩ። ኣብ ገዛእን ኣብ ተገዛእን፣ ኣብ መንግስትን ኣብ ህዝብን ዘሎ ናይ ሓይሊ ርክብ (ፓወር ርሌሽን) ክትቅይሮ እንተኽኢልካ ኢኻ ወያናይ እትኸውን። ናይ ኢትዮጵያ ፀገማት እውን እትፈትሕ ነዚኦም እንተቀይርካ እዩ። እዚኦም ተዘይቀይርካ እቶም መሰረታዊ ዝኾኑ ፀገማት እታ ሃገር ኣይፈታሕኻን ማለት እዩ።

ስለዚ ኣብ ናይ ብሄር ሕቶ እውን ክንመፅእ እንተለና እቲ ዝዓበየ ሕቶ ብሄርን ሃገርን፣ ዜግነትን መንነትን ዝብሃሉ ዝምድናታት ኣብ ምርዳእ፣ እቲ ዝጠቅም ኣብ ምልላይ፣ ኣብየናይ ኢኻ ክተትኩር ዘለካ ዝብል ነገር ብትኽክል ዝተሰርሓሉ ኣይኮነን። ብሄር ዝበሀል ነገር ሸግር የብሉን ብሄርተኘነት ግን ካልእ’ዩ። እሞ ኣብ ሓደ ሀገር። ክልቲኡ ፈሊና ክንሪእዩ ኣለና። ብሄርተኘነት ኣብ ናይ ብሄር ብልጫ ኢኻ ተትኩር። ነዚኦም ፈላሊካ ምጥማት ከድሊ’ዩ።  እዚ ስለዘይተሰርሐ እቲ ናይ ሃገር ዝብሃል ዜግነት ዝብሃል ነገር እናደኸመ እናቐነሰ መፂኡ። እቲ ናይ ብሄርን ብቐቢላ ደረጃ ዝርአ ጎንፅታትን እናዓበየ መፂኡ።

ስለዚ እቲ ኣነ ዝመስለኒ ኣብ ዜግነት ሓድነትን ሃገራዊ ቤተሰብነትን ኣብ ምፍጣር ኣይተሰርሐን። እዚ ተዘይፈጢርካ ሃገር ዝብሃል ነገር ኣይትፈጥርን። ሓድነት ተዘይሃልዩ ፍልልይ እኮ ቁንጅናን ትርጉምን የብሉን። ሓድነት ምስዝህልው እዩ ፍልልይ መዓርግ ዝህልዎ፡ ትርጉም ዝህልዎ። ብዝሃነት ትርጉም ዝህልዎ ኣብ ሓድነት ፕሮጀክት ተዝህልው እዩ፤ ጎና ጎኒ። ስለዚ ኣብዚ እዩ እቲ ጎንፂ ዘሎ ዝመስለኒ።

ካልኣይ ህወሓት ኮነ ኢህወደግ ዓብዪ ሓለፍነት ኣለዎ። ኢትዮጵያ ከም ሃገር ክትቕፅል ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብዚ ተሰሪሑ ድዩ ኣይተሰርሐን እዩ እቲ ክመፅእ ዘለዎ። ኣብዚ ምስቲ ናይ ብሄር ሕቶ ሓቢሩ ዝልዓል ኣብ ናይ ብሄር ሕቶን ዜግነትን ዘሎ ርክባትን ኩነታትን ብዝግባእ ዝተሰርሓሉ ዘይምዃኑ እዩ።

ውራይና፦ ዜግነትታዊ መንነት ከመይ ንረዳኣዮ ዝብል ክተብርሃለይ ይደሊ እየ፤ ምስ ንሄራዊ መንነት ኣተሓሒዝካ። በታ ብሄሩ ተወዲቡ ኣባል ፌደሬሽን ኮይኑ እውን ክቅፅል ዝደሊ ዝመስለኒ። ንዓይ ከምዝርድኣኒ ፈለማ ትግራዋይ ኮይነ እየ ኢትዮጵያዊ ዝኸውን። እቲ ናይ ኢትዮጵያ ነባራዊ ኩነታት ንቲ ብሄራዊ መንነትካ ኣንኢስካ ንቲ ዜግነታዊ መንነተካ ምጉላህ ዘመቹ ድዩ? ኣብዚ ዘሎ ኩነታት ከመይ እዩ?

እቲ ናይ ብሄር ድልየት እኮ ክትገድፎ ኣይብልካን። ናይ ብሄር ሕቶ ክትምልስ ናይ ግድን እዩ። ናይ ብሄር ውዳበታት ክፈቅድ እውን ይክኣል። ናይ ብሄር ናይ ፖለቲካ ተሳትፎ ይኹን ናይ ባህሊ ዕብየት፤ ባዕልኻ ናይ ምግላፅ ድልየት ክትድግፍ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ግን ሃገር ዝብል ነገር ከዓ ክትርኢ ኣለካ። ንኹሉ ሃገር ዘግብሮ እንታይ እዩ ሃገር ከብለና ዝኽእል እንታይ እዩ፤ ሓደ ኢና፣ ኣሕዋት ኢና፣ ንተሓሳሰብ ኢና፣ ንፋቐር ኢና ዘብል ዜግነት እዩ። ንቲ ዜግነት ትኹረት ኣይተወሃቦን እዩ። እቲ ዜግነት እንታይ ማለት አዩ ሓደ ሃገር ኢና ማለት ሓደ ስድራ ኢና ከም ማለት እዩ። ሓደ ስድራ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር። እዚ ክንገብር ተለና ተሓሳሲብናን ተኸባቢርናን፣ ባህልና፣ ዲሞክራስያዊ መሰልና ክኽበር ዝገብር ሕገ መንግስቲ ኣሎ።

እቲ ሕገ መንግስቲ ርኢኻዮ እንተኮይንካ ካብታ ምግንፃል እትብል ሓንቲ ዓንቀፅን ካልኦት ክልተ ንብሄር ዝምልከታ ዓንቀፃትን እቲ ዝበዝሕ ክፋል ናይቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ዜግነትን ሰብአዊ መሰላትን ኩነታት ዝጥምት እዩ። ኣብኡ ብዙሕ ኣይተሰርሐን። እቲ ጥራይ እዩ ተመጢጡ ከይዱ። ጎና ጎኒ ክኸይድ ዝኽእል ዝነበሮ እዩ። ሓደ ፖለቲካል ኢኮኖምያዊ ማሕበረሰብ ክፈጥር እየ እንድሕር ኢልካ ንዜግነት እውን ትኹረት ክውሃብ ነይርዎ። ህዝብታት ኩለን ብሄራት እቲ ሕገ መንግስቲ ብዘፍቅደሎም መንገዲ እንትነብሩ ኩሎም ዜጋታት እዮም ማለት እዩ። ወዮ ብቀርኒ ኣፍሪካ እውን ሓደ ንምኳን እንድዩ ዝሕሰብ፤ ብኢትዮጵያ ደረጃ እውን እዚ እዩ እቲ ሓደ ክትኮረሉ ዝግባእ ዝነበረ። ስለዚ ኣብ ዘፈላልየና እምበር ኣብ ዘራኽበናን አብ ዘመሳስለናን ኣይሰራሕናን ዝብል እዩ።

ኣብ ከምዚ እቲ ናይ ሓይሊ ሚዛን ኢኻ እትቕይሮ። ክልቲኡ ተጠዓዒሙ ክኸይድ ኢኻ እትገብሮ።እኳ ድኣስ ብዝሓሸ መልክዑ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ምትእስሳር፣ ሓደ ማሕበረሰብ፣ ሓደ ኮሚኒቲ፣ ሓደ ስድራ ዘመላኽት ዜግነት እዩ። ብስሩኮ ኣብ ዓለም ሓደ ዝብሃል እኮ የለን። ኔሽን ስቴት ዝብሃል እኮ የለን ኣብ ዓለም ብዙሕ የለን። ዋላ ብዓል ፈረንሳይ ብዓል ኢንግሊዝ፣ ስፔን ናይ ካታላን ፀገም ከምኡ እዩ። ኣሜሪካ እውን ከምኡ እዩ። ናይ ብዙሕ ህዝቢ እየን። ባህሉ፣ ናይ ፖለቲካ ተሳትፍኡ፣ ክብሩ፣ ቋንቁኡን ውዳብኡን ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዜግነት እዩ ዝዓቁር። ንምንታይ እንተተባሂሉ ሓንቲ ሃገር ስለዘላቶ። ሓደ ናሽናል ፕሮጀክት ስለዘለዎ እዩ። ስለዚ ኣብኡ እዩ እቲ ሓደ ውድቀት ዘሎ።

ውራይና፦ ወያናይ እንድሕር ኮነስ ነቲ መሰረታዊ መዋቕር ክቕይር ነይርዎ እንዲና ንብል ዘለና፤ ህወሓት ግን ከም ሓደ ናይ ትግራይ ውድብ ምዃኑ መጠን ኣብታ ሃገር ከምኡ ክገብር ኣይሽገርን ዶ?

ንምንታይ ይሽገር? ናይ ሌጅትመሲ ሽግር ከይመፅእ እኮ ዲሞክራሲ ከስፍን ነይርዎ። ሕገመንግስቲ ክትግበርን ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅን ክሰርሕ ነይርዎ። ንሱ እኮ እዩ ውሕስና። ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ወላይታ ናይ ኩሎም ብሄራት ውሕስና ጠንካራ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምስፋን እዩ። ኣብዚ ኣይተሰረሐን። ኣብ ውድባዊ ጥንካረ እዩ ጠመተ ተገይሩ፣ እቲ ጥንካረ ንሱ እውን እናተዳከመን እናተፀገመን እዩ መፂኡ፤ ብዝኾነ ኣብዚ እዩ እናተተኮረ መፂኡ እምበር ብሃገር ደረጃ ልዕልነት ሕጊ፣ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሕገ መንግስቲ ምህናፅ እኮ እዩ ውሕስንኦም። እዚ እኮ እዩ ውሕስና ህዝቢ ትግራይ። ዝተወሰነ ውድባዊ ዓቕሚ ዘለዎ ናይ ትግራይ ሊሂቅ እኮ ዓብይ ቦታ ስለዝሐዘ ጥራይ ንህዝቢ ትግራይ ውሕስና ክኸውን ኣይክእልን። ተቐያራይ እዩ። ውሕስና ክኸውን ዝግብኦ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምህናፅ እዩ። ናይ ዲሞክራሲ ትካላት ክጣየሻ ምግባር እዩ።

ከም ሓደ ወያናይ ሓይሊ ናይ ሓይሊሚዛን ኣይቀየረን ዘብለኒ እንታይ ይመስለካ፤ ሓደ እዚ ፖለቲካዊ ስልጣን እዚ ብዕልዋ ወይ ብጭውያ ዝመፀ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይኮነን። ክንደይ መስዋእቲ ክንደይ ቃልሲ ክንደይ ሓሳባት፤ ፈሲሱሉ ዝመፀ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ታሪካዊ ናይ ፖለቲካ ፀገማት ክፈትሕ ነይርዎ። ንኣብነት እቲ ሓደ ናይ ሓይሊ ዝምድና ዝብሎ ናይዛ ሃገር መንግስታዊ ፀገማት ብታሪክ ንጎንፂ፣ ንምጥፍፋእ፣ ንዕንወት ዘብፅሐ ሓደ ዓብዪ ነጥቢ ኣለና። ንሱ እንታይ እዩ ካብ ሓደ ኩርናዕ ዝተልዓለ ሓይሊ ናይ ፖለቲካ ስልጣን ይቆፃፀር። ነቶም ካልኦት ንብዙሓት ዝውክሉ ሊሂቃን ኣግሊሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ስትራተጂን ይሕንፅፅ ይውስን ማለት እዩ። ናይ መንግስቲ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ብሒቱ ይጥርንፍ፡፡ ኣብ ክንዲ ሸምጋሊ ኮይኑ ድልየት እቶም ካልኦት ሓይልታት ምትዕራቅ፡ ኣርቢትር ኣብ ክንዲ ዝኸውን ነቶም ካልኦት ኣግሊሉ በዚ ኢና ንኸይድ ይብል። ሽዑ ናይ ቅቡልነት ፀገም የጋጥሞ። ተፃባዕቲ ይበዝሑ ቁፅሮም እዉን እናወሰኸ ይኸይድ፣ ቅልውላው የጋጥሞ። ፖለቲካዊ ቅልውላው የጋጥሞ፣ ናዕቢ ይልዓል፤ ይቕየር እንደገና። ህወሓት/ ኢህወደግ እዚ ንአወርትኡ ክቕየር ክሰርሕ ነይርዎ። እዚ ዝቕየር ከዓ እቲ መንግስታዊ ስርዓት ኩሎም ናተይ ንክብልዎ እዩ። ስለዚ ኣብቲ ፖለቲካዊ ከይዲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።

ውራይና፦ ህወሓት/ኢህወዴግ ኩሎም ኣሰቲፈዮም ኢየ እዩ ዝብል። በዓል ኢህኣፓ እውን ዓዲምና ኢና እዮም ዝብሉ። ባዕሎም ዝሓደግዎ እንተንይሮም እምበር…. እዩ ዝብሃል እሞ ኣብዚ ኸ?

ባዕሎም ድዮም ገዲፎምዎ ወይስ ንሱ እዩ ደፊእዎም ዝብል ንፀሓፍቲ ታሪክ ገዲፍና፤ ካብ መንገዱ ወፂኡ እውን ከምፅኦም ነይርዎም እዩ እቲ ነጥቢ። ንምንታይ ይመስለካ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ዝኾነ ናይ ስልጣን ስግግር፣ ጠንካራ ዝኾነ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ክፍጠር ዘይተኸኣለ በቲ ዓንተቦይ ዝጠቐስክዎ ፀገም እዩ። ህወሓት/ ኢህወደግ ነዚ እዩ ክቕይር ነይርዎ። እቲ ናይታ ሃገር ዝኸበደ ፀገም እዩ ክፈትሕ ነይርዎ ኣቐዲሙ።

ሓደ፥ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝነበሮም ሓይልታት ከምፅኦም ነይርዎ። ካልኣይ፥ ኣብቲ ከይዲ ባዕሉ ኣብቲ ሓሳባት ዲሞክራስያዊ ብዝኾነ መልክዑ ልክዕ ከምኡ ክዋስኡ ክገብሮም ነይርዎ። ፅቡቕ ሓሳብ እውን ሒዝካ መፂእኻ ዝተቐደሰ ሓሳብ ሒዝካ መፂእካ ነቲ ሓሳብ እቲ ዝድግፍ፣ ዘጎልብት፣ ኣብ ተግባር ብዘውዕል ኣካይዳ ክሳተፍ ተዘይገይርካዮ ከምዘይናቱ ከምዘይውንኖ ገይሩ እዩ ዝወስዶ። እቲ ሓሳብ ናይዛ ሃገር ስርዓተ ምስረታ ክኸውን ዝግብኦን ክበፅሕ ዝግበኦን ክውሰን ዝግብኦ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝለዉ ይግበኣና ኢሎም ዝሓስቡ ሓይልታት እዩ ክኸውን ነይርዎ።

ንስኻ ይውክሉ እዮም ክትብሎም ኣይትክእልን። ህዝቢ ይውክሉና እዮም ምስ ዝበሎም ኢኻ ክትዘራረብ፣ ክትካታዕ ዘለካ። ኣብቲ ከይዲ እውን ኢትዮጵያ እዚ ስርዓት እዚ እዩ ዘድልያ ክብሃል እንተሎ እውን እቲ ሓሳብ ገና ቅድሚ ምቕራብካ ከምዚ ኢና ንሓስብ ዘለና፣ ብዙሃነት ዘለዋ ሃገር፣ ክንደይ ሽግር ዘለዋ፣ ታሪኻዊ ቅራኔ ዘለዋ ዓዲ፣ ዝተፈላለዩ ድልየታት ዘለዋ ሃገር ዋላ ሽሕ ፅቡቕ እንተኾነ ብናይ ባዕልኻ ከይዲ ጥራሕ ክተቐምጦ እንተለኻ ዓንቀፍቀፍ ኢሉ ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ኣይተርፍን። እዚ እዩ ሕዚ ዘጋጥም ዘሎ ከዓ።

ውራይና፦ ሕዚ ከም ሃገር ኣብ ብዙሕ ነገር እንዲና ዘይንስማማዕ፤ ዋላ ካብቲ ባንዴራ ጀሚርና፤ ሕዚ ኣብቲ ከይዲ ይእተዉ እንተዝብሃል በዓል መን ኣለዉ? መን እዩ ክሳተፍ ሕዚ ይሳተፍ እኳ እንተዝብሃል?

እቶም ሓይልታት ምስታፍ ጥራይ ኣይኮነን ዝኣክል። ተረኻታት ኣለዉ፤ ናሬቲቭስ እንብሎም። ተጓነፅቲ፣ ተወዳደርትን ተነሓናሕትን ናይ መንግስቲ ምስረታ ተረኻታት ኣለዉ። ሰለስተ ኣርባዕተ ዓበይቲ ተረኻት ኣለዉ። ነዚኣቶም ክነቀራርቦም እንተዘክኢልና ጠንካራ ስርዓትን መንግስትን ኣይንተክልን።

ውራይና፦ በዓል መን እዮም እዞም ተረኻት/ናሬቲቭስ?

ገሊኡ ኢትዮጵያ ዝተመስረተትሉ ኩነታት ብምርኣይ ስርዓት መንግስቲ ዝሕንፅፅ፤ ሓደ ኢና ዝብል። ካብ ታሪኹ ማለት እዩ፤ ናይ ብሄር ፍልልያት ኣየድልያን። ጅኦግራፍያዊ ዝኾነ ፌደራሊዝም ይኣክል እዩ። ሓደ ኢና። ዝብል ኣሎ። ገሊኡ ክንግንፀል ዝግብኣና ዝተወፃዕና ኢና ዝብል ሓይሊ ኣሎ። ናይ ብሄር ሕቶ እዩ፣ ትግራዋይነትን ኢትዮጵያዊነትን ብሐደ ዝሓዝና ክንከውን ንኽእል ኢና ዘለና ዝብል ኣሎ፤ ከም ህወሓት ማለት እዩ። እዚኦም ናብ መድረኽ ክመፅኡ ኣለዎም። እዚኦም እዮም ነቲ ዘላቒ ፍታሕ መንገዲ ከኾኑ ዝኽእሉ።

ኣነ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ዓብዪ ግደ ክፃወት ዘሎዎ ዝብሎ ታሪኽ እዩ። ኣብ ታሪክና ክንዘራረብ ኣለና። ኢትዮጵያ ከመይ ገይራ ተፈጢራ? ከመይ ኢላ ኣብዚ በፂሓ? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ተዋሂብዎም ጎዶሎታትና እንታይ እንታይ እዮም ዝብል መልሲ ተዋሂብዎም ጌጋታትና ናይ ኩላትና ገይርና ንቕድሚት ክንከይድ ክንክእል ኣለና። ንቕድሚት ኣማታይ ተረኽ  ወይ ‘ፎርወርድ ሉኪንግ ናሬቲቭ’ ዝብሃል ተረኽ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ሕሉፍ ዕስራ ሰላሳ ዓመታት ንቕድሚት ኣማታይ ዝኾነ ተረኽ ዘይኮነ እናተካየደ ፀኒሑ፤ ንድሕሪት ዝጥምትን ንቅድሚት ዘየሰጉምን ቀፃልነቱ ዘየጉልህን ዝተኸታተፈን እዩ። እቶም ካልኦት ኣብ ታሪኾም እዮም ዘለዉ።

ንኣብነት ናይ ኦሮሞ ብሄርተኝነት ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ኦሮሞ ኣብ ታሪኹ ካብ ኢትዮጵያ ንቕንቕ ዝብል ኣይኮነን። እቲ ሓይሊ ንሱ እንታይ እዩ ዝሓስብ፤ ኦሮሞ ዓብዪ ህዝቢ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ቦታ ኣለዎ። ሃፍታም ታሪኽ ኣለዎ። ሃፍታም መሬት ኣለዎ። ሃፍታም ፖለቲካ ከም ጋዳ ዝአመሰለ ኣለዎ። ስለዚ ይግብኦ እዩ ዝብል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ወሳኒ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ይግብኦ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎ እቲ ናይ ኦሮሞ ፖለቲካዊ ሓይሊ።

ኣምሓራ ድማ “ህዝቢ ኣምሓራ እዛ ሃገር መስሪቱ እዩ። ክንደይ ቃልሲ ገይሩ። ክንደይ መስዋእቲ ገይሩ ናፅነታ፣ ሓድነታ ጠጠው ኣቢሉ። ይግብኦ እዩ” ኢሉ ዝሓስብ ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ ዘለዎ።

ናይ ትግራይ ፖለቲካ ተረኽ ግን ህወሓት ተሰኪምዎ ኣይኮነን መፂኡ፤ ደርብይዎ እዩ መፂኡ። ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ ክልተ መደያዊ ተረኽ እዩ ኔሩ፡፡ በቲ ሐደ ወገን ምስ አምሓራ ዘመሳስል አብ ኢትዮጵያዊነትን ዜግነትን ዘተኮረ በቲ ካሊእ ወገን ከአ ናፍቲ ናይ ኦሮሞን ካልኦት ብሔረሰባትን አብናይ ብሔር ወፅዓን ብዝሀነትን ዘተኮረ ፖለቲካዊ ትረኻ ተደሚሩ ናይክልቲኡ ተነሐናሒ ትረኻ ድልድይ(ብሪጅ) ክኸውን ምተገቦኦ፡፡ ስለምንታይ ናይትግራይ ሕዝቢ ትረኻ ናይ ኢትዮጵያ ቀንዲ/ኮር ስለዝኾነ፡፡ ነዚ ብዘይ ምኽታሉ እዩ እውን ደኺሙ ዘሎ። ሓደ ሻብ ናብ ሻዕብያ ሓደ ሻብ ናብ ኦነግ እውን ዝላተም ዘሎ እቲ ተረኽ ማለተይ እየ፤ እቲ ወሳናይ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ እቲ ናይ ትግራይ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ታሪኽ ማለት እዩ። እዚ ክንጥቀመሉ ኣይክኣልናን።

እቶም ዝጠቐስክዎም ዓበይቲ ማሕበረሰባዊ ሓይልታት ኣብ በትኦም እዮም ዘለዉ፤ ብዘይካ ናይ ትግራይ። ነዚኦም ክትጉንፆም ኣይትኽእልን። እናተላተምካ ትምለስ እምበር ክትጉንፆም ኣይትኽእልን። ኣብኡ እዮም ቦቝሎም ኣብኡ እዮም ድማ ዓሪዶም ዘለዉ። እቲ ናይ ትግራይ ግና ኣብ መትከላዊ ስነ ሓሳብ ናይ ደገ እዩ ዘትኩር እምበር ኣብ ታሪኹ ኣይኮነን ዘትኩር። ንሕና ናይ ኢትዮጰያ መንግስትነት ዓቀብቲ ኢና። ናይ ኢትዮጵያ መንግስትነት ዓቀብቲ ኢና ተጋሩ። ነዚ ደርቢኻ ክትወዳደርን ክትደራደርን ኣይትክእልን። ናይ ባዕልና ታሪኽ ደርብይና ኣብ ኢትዮጵያ ክንደራደርን ቅቡልነትና ክነረጋግፅን ኣይንኽእልን።   ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት፤ ትውፊት እቲ ሓደ ታሪኽ እዩ። ናፅነት ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ዘሎ ታሪኽ። ናይ ኢትዮጵያ መሰል በሪ ባሕሪ ካልእ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ሓላውነት ዓቃብነት ካልእ ተረኽ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ደርጊ ብምድምሳስ ድማ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል ዲሞክራስያውነት ተወሲኽዎ፤ እዚ እዩ መደራደሪና ክኸውን ዝግብኦ ነይሩ። ቅቡልነትና ካብዚኦም እዩ ዝቕዳሕ። ነዚኦም ደርቢኻ ግን እንታይ ሒዝካ ኢኻ ቅቡልነትካ ክተረጋግፅ? ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ዕዳጋ እንታይ ሒዝካ ኢኻ ክትደራደር?

ስለዚ እዚኦም ክነምፅኦም ኣለና። ንትግራይ ዝጠቅም ናይ ፖለቲካ ተረኽ ወይ ናሬቲቭ ኣየናይ እዩ ዝብል እዩ ሕዚ እቲ ወሳኒ። መን ኢና ንሕና እዩ እኮ እቲ ዝመፅእ። ታዎት ኢና ንሕና እያ እኮ። ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ግደ ክህልወና ንደሊ። እቲ በዚ መዳይ ዝነበረና ታሪኽ ግን ክንድርቢ ንደሊ። ቕራኔ ይፍጠር። ካብኡ እዩ ክቕዳሕ ዝነበሮ እቲ ፖለቲካና።

ውራይና፦ ኢህወደግ እዩ ሕዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ዓብዪ ሓይሊ። እቶም ኣብዚ እውን ዘልዓልናዮም ነጥብታት ብዕምቆት ርእየ ኢሉ ኣሎ፤ ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እውን ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ። ሕዚ ኢህወደግ እቲ ፀገም ክፈትሖ እዩ ዶ ትብል?

በይኑ ኣይፈትሖን። ኣብዚ እዩ ዘሎ እቲ ጌጋ። ከም ኢህወደግ ኣብቲ መግለፂኡ እንተወሲድካዮ ናብታ ፈፃሚት ስራሕ እዩ ወሲድዋ። ናይ ኢህወደግ ፈፃሚት ስራሕስ ናይ ኢትዮጵያ ሽግራት ምናልባት ተንቲኑ ክእምት ይኸውን፤ ናይ ኢትዮጵያ ፀገማት ካባይ እዮም ዝብገሱ እሞ ክፈትሖም እየ። ተፃዊረዮም ንቕድሚት ክኸይድ እየ ምባል ግን ከቢድ ነገር እዩ። ዘይክኣል እውን እዩ።

ሓደ ኢህወደግ በይኑ ክፈትሖ ዝኽእል ፀገም የለን ሕጂ። መን ድዩ ዲሞክራሲ ዝህብ ግዲ? ካብ ዓቕሚ ኢህወደግ ወፃኢ እውን እዩ። ህዝቢ ውክልና ዝሃቦምኮ ንሳቶም ተመሊሶም ዲሞክራሲ ንክህብዎ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ባዕሉ እዩ ከምጽኦ ዝክእል፡፡ ኣጀንዳ ቀሪፁ ህዝቢ ከንቀሳቕስ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ በፂሑ ኣሎ። ኣጀንዳ ቀሪፆም ህዝቢ ከንቀሳቕሱ ዝኽእሉ ካልኦት ሓይልታት እዮም ዝቅልቀሉ ዘለዉ። እቲ ዓንተቦይ ዝበልክዎ ናይ ተረኽ ወይ ናሬቲቭ ጉዳይ እዩ። እቲ ናሬቲቭ እዩ ሓይሊ ዝህበካ። ህወሓትን ኢህወደግን ሓደ ናሬቲቭ ሒዞም መፂኦም እዮም ንሱ ናብ ሕገ መንግስቲ ቀይሮምዎ። እታ ናሬቲቭ እቲኣ ኣብ ኩሉ ተቐባልነት ኣይብላን። ትውቃዕ እያ። ንዕኡ እየ ካብቲ መጀመርትኡ ፀገም ኣለዎ ዝበልኩካ።

ስለዚ ናብቲ ናሬቲቭ ኢና ክንምለስ ዘለና። ዓበይቲ ናሬቲቭስ ኣለዉ። እቲ ናይ ትግራይ ሓደ እዩ። ናይ ኦሮምያ ኣሎ። እቲ ናይ ኣምሓራ እውን ካልእ እዩ። ገሊኦም ይቀራረቡ እዮም። ነዚኦም ኣቀራሪብካ፣ ኣዛሚድካ፣ ኣታዓሪቕካ ኢካ ኢትዮጵያ እትብሃል ዓዲ መንግስትነት ምምስራት ዝከኣል። እቲ ስቴት ዝብል ነገር እዩ ክተዓረቅ ዘለዎ። ምዕባለ ኢልካ ዘረባ የለን ብዘይካ እቲ ስቴት። እንታይ ዓይነት ስቴት እየ ዝሃንፅ ዘለኹ ክትብል ኣለካ። ዲሞክራሲ ኢልካ ነገር እውን የለን ብዘይካ ስቴት።

እታ ኢህወደግ ሒዝዋ ዝመፀ ሓንቲ ናሬቲቭ እንድያ ሃገር ኣዋቒራ፤ ስለዚ እዚኣ ብሕብረተሰብ ብምሁራን ብሊሂቃን እቶም ካልኦት ‘ቻለንጅ’ ትግበር እያ። እናተላተምካ ኢኻ ክትነብር ማለት እዩ። ንቕድሚት ኣይትስጉምን። ህወሓት ‘ሞኖፖሊ ኦቭ ቫዮለንስ’ ተቖፃፂሩ መጽዮ ‘ሞኖፖሊ ኦቭ ናሬቲቭስ’ ግን ኣይተቖፃፀረን።

ስለዚ እንታይ እየ ክብል ደልየ፤ እቲ ልምዓታዊ መግስቲ ዝብሃል እውን እንተኮነ ኣብቲ ፖለቲካዊ ቀመር ናይ ኢትዮጵያ እዩ እቲ ፀገም እምበር ናይቲ ፍልስፍና ፀገም ኣይኮነን። ኣብ ሓንቲ ዓዲ ቁጠባዊ ዕብየት ክመፅእ ዘይከኣለ ናይቶም ሓይልታት ዝምድና ስለዘይተቐየረ፣ ናይታ ዓዲ ናይ ስቴት ባህሪ ስለዘይተቀየረ፣ እቶም ናሬቲቭስ ስለዘይተዘተየሎም ኣብ ፈተና ኣብ ፀገማት ኣለና።

ዋላ ሕዚ እቲ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወደግ ሒዝዎ መፂኡ ዘሎ መግለፂ፤ ብርግፅ ፅቡቓት ነገራት ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ፅቡቓት ቃላት እውን ሒዙ መፂኡ ኣሎ፤ ቅድሚ ሕዚ እውን ዘይብሃሉ ዝነበሩ። ፅቡቕ ኣርቲኩሌሽን ሒዙ መፂኡ ኣሎ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ሕዚ ክብሃል ዝኽእልነገር ኢሉ ኣሎ ምባል ይከኣል። ኣብ ምፍትሑ ግን ፀገም ዘሎ ይመስለኒ። ክፈትሖም ኣይክእልን።

ምኽንያቱ ብጣዕሚ መሰረታውያን ዝኾኑ ቅድሚ ሕዚ ክስርሑ ዝግብኦም ዝነበሩ ኣለዉ። ካልኣይ ስራሕ ፈፃሚት ኢህወደግ ዉሃብን ከላእን ዲሞክራሲ ክኸውን ኣይኽእልን። እቲ ፀገም ዘሎ ኣታሓሳስባ እዚ እዩ። ሕዚ ብዙሕ ትግራዋይ መንእሰይ ዋላ እቲ ተጋዳላይ ዲሞክራሲ ንምምፃእ ብዙሕነገር ከፊሉ እናሃወለ ዋላ ይፅበ። ምምፃእ ወይ ምሃብ ዝብሃል ነገር ኣሎ ድዩ? ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ኢኻ እትሰርሕ። ኣብኡ ዝህልወካ ታራ ብምዕዛዝ ኢኻ ዲመክራሲ እትረክብ እምበር ዝውሃበካን እትኽእልኦን ነገር ኣይኮነን ዲሞክራሲ። ሕዚ ኣብዚ እዩ እቲ ኣነ ናይ ኢህወደግ ናይ ምእማትን ናይ ፕሮግራምን ፀገም ኣሎ ዝብሎ። ኣብ ከይዲ እውን ዝርኣይናዮ እዚ እዩ።

ስለዚ ኢህደወግ በይኑ ናይዛ ሃገር ሽግራት ክፈትሕ ኣይኽእልን። እዞም ሽግራት እዚኦም’ዮም መበገሲ ዝኾኑ ዘለዉ። ብምዃኑ ፍልፍል እቲ ፀገም ናይ ዲሞክራሲ ፅበት እዩ። ናይ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ፀገም እዩ።

ውራይና፦ ንሱ ከመይ ይግለፅ?

ፖለቲካል ኢኮኖሚ እኮ ብቐሊሉ ክትገልፆ ትኽእል ኢኻ። ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ብዙሕ ሕልኽላኽ ዘለዎ ኣይኮነን። ብናፅነት ክትሰርቕ እናኸኣልካ ብናፅነት ሓሳብ ክትገልፅ እንተዘይክኢልካ ፀገም እዩ። ኣብዚ ሕዚ ናይ ሕጊ ልዕልነት ኢኻ እተልዕል። ናይ ሕጊ ልዕልነት እንተዝህልው ነቲ ዝሰርቕ ክሕልው ነቲ ከይዛረብ ዝዕፈን ዘሎ ድማ ከድሕን እዩ ነይርዎ። እዚ ክትገብር ከይከኣልካ ንባዕልኻ ከም ሓደ ውሃባይ ዲሞክራሲ ቆፂርካ ናይ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ታሪኻውን እዋናውን ሽግራት ክፈትሕ እየ ምባል ፀገም እዩ ዝመስለኒ። ስለዚ ናብ ህዝቡ ወሪዱ ሕገ መንግስቲ ከኽብር፣ ናይ ዲሞክራሲ መሰላት ከኽብር፣ ፌደራሊዝም ኣብ ጠንካራ መሰረት ከቕምጥ ብድርድር ከዕሪ እቶም ቅድም ኢለ ዝበልክዎም ዓበይቲ ናይ ሓይሊ ዝምድናታት ከዕሪ እንተዘክኢሉ እቶም ናሬቲቭስ ናብ ዘተ ክቐርቡ ገይሩ ሃገር እንተዘይሃኒፁ ኣብ ምንታዩ እዩ ድኣ ወያናይነቱ? ከም ኣቦታትካ ኮይንካ ኣለካ ማለት እዩ።

ውራይና፦ ኩነታት ኢትዮጵ ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ኣዛሚድና እስኪ ንርኣዮ። ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዘልፊ ኢና ዘለና ከም ሃገር? ግደና ኸ ታይ ይመስል ኣሎ ንቐፃሊ ኸ?

እቲ ኸባቢ ንኢትዮጵያ ብዝጥዕም መልክዑ ኣይኮነን ዝምዕብል ዘሎ። ናይቲ ኸባቢ ፖለቲካውን ቁጠባውን ፀጥታውን ምዕባለታት ንዛ ሃገር ብዘይጠቅም እዩ ዝከይድ ዘሎ፤ ብሕልፊ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት። እዚ ብምንታይ ይግለፅ ይመስለካ፤ሓደ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውሽጣዊን ናይ መሪሕነትን ቅልውላው ኣብቲ ናይ ዞባ ኩነታት ኣሉታዊ ዝኾነ ግደ ይፃወት ኣሎ። እዚ ብምንታይ ይርአ፤ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሃገርና ናይ ሓይሊ ዝምድናን ናይ ህንፀት ሃገር ከይድናን ብምቕያርና ኣብቲ ዞባ ክህልወና ዝግባእ ዝነበረ ኣድማዕነት ጎዲእዎ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ክህልው ዝኽእል ኣብ ባይታ ዘሎ ታሪካዊ ናይ ሓይሊ ክፍፍል ማለት እውን regional distribution of power ዝብሃል እቲ ዝዓበየ ናይ ኢትዮጵያ እዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ በዝሒ ህዝቢ፣ ማእኸላይ ኣቀማምጣ፣ በዝሒ ሰራዊት፣ ናይ ሰራዊት ታሪኽ እውን ማለት እዩ። ብስሩ እውን መንግስትነትን ብሰራዊትን እኮ ዊስትፍልያን/ወበርያን ካንትሪ እትብሃል ሃገር እኮ ኢትዮጵያ ጥራሕ እያ ኣብዚ ዞባ እዚ። ኣቦታትና ብፈረስ እዮም ዝዋግኡ ነይሮም። ስልጡን ሰራዊት ነይርዋ እዛ ሃገር ኣብ ታሪኽ። ስለዚ እዚ ሒዝካ እንተመፂእኻ እሞ ኣብ ውሽጢ ሃገር ልዕልነት ሕጊ እንተኣማዕቢልካ፣ ዲሞክራሲ እንተሃኒፅካ፣ ናይ ሓይሊ ሚዛንካ እንተኣዕሪካ እሞ እቲ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ውሻጠኻ እንተኣዕሪኻዮ ብቐጥታ ኢኻ ሓያል እትኸውን፤ ሄጀሞኒ ትረክብ። ኣብዚ ዓንቀፍቀፍ ምባልና ፀገም ኣለዎ ማለት እዩ።

እዚ ብምዃኑ እዞም በለፀኛታት ወይ opportunist እትብሎም ሓይልታት፤ ፀረ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓይልታት ገኒኖም ዝወፅእሉ ባይታ ተፈጢሩሎም። ሕዚ እቶም ኣብ ታሪኽ እናተቐፃፀሉ ዝመፁ ፀገማት ኣለዉ ብሓደ ወገን። ቀርኒ ኣፍሪካሲ ናይ ታሪኽን ናይ ጅኦግራፍን እስረኛ እዩ ኢና እንብሎ። ንቕንቕ ኣይብልን። እዚ ክንፈልጥ ኣለና።

እዚ እንታይ ማለት ይመስለካ? ናይ ማይ ኣባይ ጉዳይ ንውሰድ። ናይ ኣባይ ጉዳይ መንግስቲ ተቀየረ ኣይተቐየረ ካልእ መፀ ካልእ ኸደ ዝቕየር ነገር ኣይኮነን። ምሳኻ እዩ ዝነብር። እስረኛ ይገብረካ ኣሎ ማለት እዩ። ናይዛ ኢትዮጵያ ናይ በሪ ባሕሪ ጉዳይ ስባጋድስ ከደ፣ ህግደፍ መፀ፣ ቱርኪ ኣተወ ሱዳን ሓለፈ ዝቕየር ነገር ኣይኮነን። ናይ ብሄርን ናይ ዶብን ጉዳይ ከምኡ። ናይ ደጉዓን ናይ ቖላን ናይ ማይን ናይ መውዐሊ ከፍትን ንሕንሕ ከምኡ። እሱር ኢኻ። ንዚ ምፍታሕ ዝከኣል እቲ ዓንተቦይ ዝበልክዎ እዩ፤ ናይ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ለውጢ እንተኣምፂእኻ፣ ናይ ሓይልታት ሚዛን እንተኣስተካኪልካ፣ ናይ ኢትዮጵያ ስቴት ናሬቲቭን እንተኣስተኻኺልካ ወዘተ እዩ ዝዕረ። ኣብዞም ፈተነታት እዚኦም እናሃለና ኢና ተወሰኽቲ ሓደጋታት መፂኦምና። ናይ ራዲካላይዘሸን ወይ ኣኽራርነት ሓደጋ መፂኡና። ናይ ጅሃዲስት ፀገም ተፈጢሩ። ናይ ኩነታት ኣየር ሽግር መፂኡ። ናይ ጅሃዲስት ሓደጋ መፂኡና፤ ከም ኤርትራ ብዝሽተ ማይ ናብ ብላክ ማርኬት ኣይኣተናን እምበር። እዞም ሓደጋታት እዚኦም ብተወሳኺ እዮም መፂኦም። ኣብ ልየሊዚ ድማ ናይ ካልኦት ነበርትን ጀመርትን ሃይልታት ምትእትታዋት መፂኡና።

እዚ ክትርኢ ከለኻ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ኩነታት የታሓሳስበካ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ወፃኢ ኣብ ዕረፍቲ እዩ ዘሎ እየ ዝብል። ኣብ ሆሊደይ ዩ ዘሎ። ዲሞቢላዝድ ኮይኑ ማለትዩ፤ እቶም ካልኦት ሓይልታት እዮም መፂኦምዎ፤ ከድምዕ ስለዘይከኣለ። ንኣብነት ሶማልያ ንውሰድ። ኣብ ሶማልያ ተዋሳእቲ ንሕና።ናይ ሰላም መራሕቲ ንሕና። ናይ መንግስቲ ሶማልያ ኣዋቐርቲ፣ ደገፍትን ወሰንትን ንሕና ነርና። ሕጂ ግን ኣይኮናን። ኣብ ሶማልያ መሻርኽቲ ብዙሓት ሓይልታት ነይሮምና። ብትኽክል፤ ኢትዮጵያ ሓጋዚትና፣ ናይ ኢትጵያ ግደ ወሳኒ እዩ ወገንና እዩ ዝብሉ ሸሪኽና እያ ዝብሉ ብዙሓት ሓይልታት እዮም ነይሮም ቅድሚ 10 ዓመት። ሕዚ ግን የለን። ኣረኪብናዮ። ሓደ እዩ ተሪፉ ነይሩ ንሱ እውን ኣረኪብናዮ። ሕዚ ተፅዕኖ የብልናን። ኣይበል እምበር ኣብ ሶማልያ እስላማዊ መንግስቲ እንተመፂኡ ዝነበረና ተቐባልነት ስለዘየለ፤ እዚ ኹሉ ዘጥፋእናዮ ህይወት፣ ገንዘብን ግዜን ከንቱ ስለዝተረፈ ንዓና ሓደጋ እዩ። እዚ ኹሉ ናይ ወተሃድርን ፖለቲካውን ሓይልታት ዝምድና የለን።

ካልኣይ እቲ ዓብዪ ሓደጋ ኢዩ ኢልና ክንዋጋእ ኢልና ዝተልዓልናን ዝሰዋእናዮ መዓት ነገር ከንቱ እዩ ተሪፉ ኣብ ሶማልያ። ምኽንያቱ ልዕሊ 90% ኣብታ ሃገር ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት እስላማዊ ሰልፊ እዮም፤ ፀረ ኢትዮጵያ እዮም ማለት እዩ።

ሳልሳይ፤ ድሕሪ እዚ ኹሉ ኣብ ሶማልያ ዝገበርናዮ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ይትረፍ ዶ ፅልዋ ክተሓድር ዋላ ሓንቲ ግደ ዘይብላ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን ካልኦት ናይ ባሕረ ስላጤ ሃገራት እየን ኣብ ሶማልያ መንግስቲ ዘደይባን ዘውርዳን ዘለዋ። ካብዚ ንላዕሊ ፀገም የለን። መሻርኽቲ ስኢንና፣ ሓገዝቲ ስኢንና፣ ብወተሃደርን ብፖለቲካን እንሕግዞም ስኢንና፣ ሶፍት ፓወር ዝብሃሉ ፀጋታትና ስኢንና፣ ኣብ ልዕሊኡ ናይዚ ዞባ እዚ ስግኣት ኣኽራርነት እዩ እሞ ንሱ ከይዕብልለና ኢልና ዕስራን ገለን ዓመት ሰሪሕና ተሰዊእና ኣብ መወዳእትኡ እቶም ኣብ መቓድሾ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ኣብ ካልኦት ከባብታት ዝለዉ እውን እናገበሉ መፂኦም ንሓዋሩ ፖለቲካ ሶማልያ ኣብ ትሕቲ እስላማዊ ሓይሊ ኮይኑ ክዘልቕ እዩ ማለት እዩ። ኣብዚ ኢና በፂሕና።

ካብኡ ሓሊፉ ኸ? በዓል ቃጣር በዓል ተርኪ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት መፂአን ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘውርዳሉን ዘደይባሉን ኩነታት ኢና ንርኢ ዘለና። ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ እቲ ዞባ ከምኡ እዩ።

ናይ ኤርትራ ጉዳይ እንተወሲድካ እውን ከምኡ እዩ። ናይ ቀይሕባሕሪ ኬዝ እንተወሲድካ ከምኡ እዩ። ናይ ደቡብ ሱዳን እውን ከምኡ እዩ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘመን ደርጊ ዝነበረና ፅልዋ የለን። ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ቃልሲ ደርጊ ሕሩጭን ጥይትን እዩ ሂቡ። ኢህወደግ ግን እንኮላይ ህይወት እዩ ሂቡ ብድሕንነት ደቡብ ሱዳን ኣቢልካ ንድሕንነት ኢትዮጵያ ክብሃል። ሕጂ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጉዳይ ንሕና ተሰማእነት የብልናን፤ ዳርጋ ዝተነዓቕና ኢና፤ am sorry to say it. ኢትዮጵያ ሕዚ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ይትረፍ ዶ ከም ዓብዪ ዓዲ ከምመሓዛ እውን ኣይንርአን ዘለና። በዓል ኡጋንዳ ከም ድላዮም ዝገብሩሉ ሃገር እዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ እቲ ከባቢ እውን ክንፍትሾ ከለና ፀረ ኢትዮጵያ እዩ እናዓበየ መፂኡ። እዚ ምስቲ ናይ ውሽጢ ኩነታትና ኣዋሃሂድና እንትንርእዮ ከቢድ ነገር እዩ ዝመስለኒ።

ውራይና፦ ናብ ናህና ጉዳይ ምልስ ንበል እሞ ከም ዓዲ ከሰማምዑና እንብሎም መተኣሳሰሪ ነጥብታት እንታይን እንታይን እዮም ትብል?

ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሃገርነትን ዘሎ ቅዋም እዩ ብውሑድ ዘሰማምዓና። ግን እንታይ እዩ እቲ ብዙኋነት ተቐቢልካ፣ እቲ ዜግነት ኣጠንኪርካ እቲ ዲሞክራስያውነት እውን ኣበርቲዕኻ ነቲ ፌደራሊም እውን ኣጠናኺርካ እቲ ፀገም ክእለ ይክእል እዩ። ክድሕን ይኽእል እዩ። ብስሩ እውን እቲ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ቅልውላው ንህወሓት ዓብዪ ሓይሊ እዩ። ምኽንያቱ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ከልዕልዎ ዝነበሩ ሕቶ እዩ ካልኦት የልዕልዎ ዘለዉ። ንምንታይ እዮም እቲ ኣጀንዳ ዝምንጥሉና ዘለዉ? ዓብዪ ታራ ተፃዊትካ ዝቐራፅካዮ ሕገ መንግስቲ እኮ፤ ዋእ ደቅና ዝተቃለሱ እኮነዚ ኣይነበረን። ዋሕስና ንሱ እዩ፤ሕገ መንግስቲ እዩ ክብል ዝነበሮ ናይ ትግራይ ህዝቢን መንእሰይን እኮ እዩ። እቶም ካልኦት ካብ ኣልዓልዎ ግን ንሕና እውን ብደንቢ ኢና ክንከደሉ ዘለና። ምኽንያቱ ውሕስናና ንሱ እዩ። ብቑፅሪን ብናሬቲቭን ካብ ደከምና እቲ ዓብዪ ውሕስናና ሕጂ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ስርዓት እዩ።

እቲ ሕገ መንግስቲ ብትኽክል ክንትግብሮ እንተኽኢልና ጥራሕ ጥራሕ። ናይ ሕጊ ልዕልነት እንድሕር ኣምፂእና እዩ። ናፃ ትካላት ክትተክል ተኽኢልካ ጥራሕ ጥራሕ። እቲ ዓንተቦይ ዝበልክዎ እዩ፤ ናይዛ ዓዲ ፀገም ክትፈትሕ እንተኾይንካ ታሪኻዊ ድኽመት ፖለቲካ እት ሃገር ክትፈትሕ እንተክኢልካ እዩ። ናይዛ ዓዲ ዓብዪ ፀገም ዝነበረ ናፃ ትካላት ዘይምህላወን እዩ። ብሕገ መግስቲ ዝተሓንፀፀ መሰል ክትህብ እንተዘይክኢልካ ሓደ ኢኻ ትኸውን ዘለካ ምስቲ ዝነበረ ማለት እዩ። እኳ ድኣስ ስልጣን ዘለካ መሲልካ ንህዝቢ ትግራይ ዝገደደ በሰላ ኢኻ እተምፅእ ማለት እዩ።

ውራይና፦ ሕዚ እቲ ፓርቲ ንርአ። ኣተሓሳስባታት ኣለውዎ ከም ውድብ። ኣብዚ ክልተ ነገራት ክተብርሃለይ። ሓደ እቲ ኣተሓሳስባ ከይዱን ምዕበልኡን እንታይ ይመስል? ምስኡ ተኣሳሲሩ ድማ ህወሓት ሓሲቡ ወዲኡ እዩ። ሕዚ ዘሎ ወለዶ ናይ ምሕሳብ ግደ የብሉን ናይ ምፍፃም እዩ ዝብል ኣሎ። ኣብዚ እንታይ ትብል?

ሓደ ህወሓት እንታይ እዩ እሞ ሓሲቡ? እዚ ክርኣ ኣለዎ። ኣብቲ ቃልሲ ፀረ ደርጊ ዓብዪ መስዋእቲ ከፊሉ ደርጊ ኣውዲቑ። ስርዓት ተስሪቱ። ብድሕሪኡ ግን ህወሓት ከም ውድብን መንግስትን ከም ሓደ ውክልና ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ኣካል እውን ከም ብሓዱሽ እናሓሰበ፣ ኣቀዲሙ ናረኣ ፀገማት እንተጋጥሙ እናፈትሐ ንቕድሚትእ እውን እናኣመተ እናፅንዐ ክፈትሖም ዝኸኣለ ዓቕሚ እናጠናኸረ ኣይመፀን። ዓብዪ ፀገም ህወሓት ዝመስለኒ ቀዲሙ ምእማት ዘይምኽኣሉ እዩ። ናይ ሓደ መሪሕነት ዓብዪ ዓቕሚ ዝመስለኒ እዚ እዩ። እቲ ካልእ ካልእ ክፍፅሞ ይኽእል እዩ። ናይ ሓደ መሪሕነት ዓብዪ ዓቕሚ ሓደሽቲ ነገራት ቅድሚ ሰብ እናገምገምካ ኣነፂርካ እናውፃእኻ ንዐኦም ዝኸውን ስትራተጂታት ምውፃእ እዩ። ህወሓት ሕገ መንግስቲ ኣፅዲቑ ስልጣን ሒዙ ሰላም ኣምፂኡ ነቲ ቁጠባ እናማዕበለ እናገበረ እንትመፅእ ኣብዚኦም ግን እናደኸመ እዩ መፂኡ።

እዚ ብኣብነታት እውን ክርአ ይኽእል እዩ። ናይ ኤርትራ ውግእ ተኣሚቱ ዶ ነይሩ? ሓንቲ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከም ሃገር ክትወፅእ ከላ ፈታዊትካ ትኹን መፃርፍትኻ ትኩን ባይታ ተቐይሩ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ባይታ እንትቕየር እቲ ጂኦፖለቲክስ ይቕየር። ምስኡ ድማ እቲ ሽርክናን ዝምድናታትን እውን ይቕየር ማለት እዩ። ሓደጋታት እውን ክመፅእ ይኽእል። እዚ ኣይተፀንዐን። ኣይተኣመተን።

ስለዚ ኣብስልጣን ምስተመፀ ዋላ መሓዛና እንተኾነት ኤርትራ ከም ሃገር እንትትቦቅል እንተላ ዘስዕቦ ፅልዋ ኣይትፀንዐን ኣይተኣመተን። ኣይርኣይናዮን። ካልኣይ እቲ ውድብ ናብ ስልጣን ክመፅእ ከሎ ፖለቲካዊ ሓይሉ ኮነ ህዝቡ፣ ናይ ኣባላቱ ኩነታት፣ ምስ ሃገር ዘለዎ ርክብ፣ ኣብናይ ፖለቲካ ባህርታቱ ሓደጋታት ዶ ከምፅእ ይኽእል ይኸውን ተባሂሉ ኣይተርኣየን። ከይተራኣየ እዩ ሓደጋታት መፂኡ። ክፍፍል ናይ ህወሓት ርአ። መረፃ 97 ርአ። መን ኣበይ ከይበፅሕ እዩ ተባሂሉ ግን መወዳእትኡ ከምቲ ዝርኣይናዮ እዩ። ናይ ቀረባ ግዘ ቀውሲ፣ ዋላ ሕዚ ናይ ቄሮ በሎ ካልኦት ናዕብታት ኣይተኣመተን። ስለዚ ናይ ሓደ መሪሕነት ባህሪ እናሰኣነ ዝመፅአ እዩ ዝመስለኒ ህወሓት። ነገራት ቀዲሙ ርእዩ ኣፅኒዑ ኣሚቱ ንሓደሽቲ ነገራት ስትራተጂ ኣብ ምሕንፃፅ ዝተሰርሐ ነገር የለን። ብድሕሪኡ ዝመፀ ሽግር እውን ቅሩብ ዝሓዞ እቲ ስቴት ምቁፅፃር ዝህበካ ዓቕሚ እዩ ዝኸውን።

ካልኣይ ናይ ህወሓት ዝርኣኽዎ ሓደ ዓብዪ ፀገም ሓደሽቲ መፅናዕታት ኣይካየድን። ናይ ንፅፅር/ኮምፓራቲቭ መፅናዕታትን ምርምራት እውን ኣይገብርን። ክንደይ ዩኒቨርስታት ኣብ ዘለውኦ ሃገር፣ ክንደይ መንእሰይ ኣብ ዝፈርየሉ ዓዲ እዚ ንምግባር ቀሊል እዩ። እንተደለየ ይቕበሎ፣ እንተዘይደለየ እውን ግን እቶም መፅናዕታት ኣለዉ፤ ዓቕሚ ይኮንዎ። እዚ ዓብዪ ነገር እዩ ዝመስለኒ።

ሳልሳይ ዓብዪ ፀገም ህወሓት ዝርእዮ ክልሰ ሓሳባዊ መትከል ሓደ ነገር እዩ። ፖለቲካ ካልእነገር እዩ። ክልቲኡ ኣይራኸብን።

ውራይና፦ ከመይ?

ንኣብነት ናይ ብሄር ሕቶ ኣብ ኢትዮጵያ መልሲ ክውሃቦ ኣለዎ ምባል፤ ወይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምግንፃል ምፍቃድ ሓደ ነገር እዩ። እዚ እቲ ክትበፅሖ እትኽእል ዲሞክራስያዊ ጫፍ ማለት እዩ እምበር ሽዑ ንሽዑ ክትትግብሮ ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ቅድምያ እትህቦም ኣለዉ። ምድርዳር ኣሎ እዚታት እዩ። መትከል ፖለቲካ ኣይኮነን። መትከል ድሕሪ ዕስራ ሰላሳ ዓመት ክትበፅሖ እትሓስቦ ኣንፈት እዩ። መርኣያ ዲሞክራስያውነት እዩ ምበር ሓደ ወዲ ጆርጂያ ስለዝበሎ ንትግራይ ቀረባ እዩ ማለት ኣይኮነን ። ፌደራሊዝም እውን ንዕኡ ይጠቅም። ፖለቲካ ግን ድርድር እዩ። ክትደራደር እዩ ዘለካ እምበር ድርቕ ኣይትብልን ኣብቲ መትከል። ርእዩታለማዊ መትከልኮ ልእሊ ሃገር ኣይኮነን። መትከል ንምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ምግንፃል ከ ይከኣል ዶ ኢልካ እተፅንዖም ኣለዉ። መትከል ኢንድ-ሴት እዩ። ምስ ፖለቲካ ምውቓዕ እዩ እቲ ናይ ህወሓት ፀገም። ቀዳምነት ዝውሃቦ እቲ ሰብ እዩ። እቲ ሃገር እዩ። ትግራዋይነት እዩ እቲ ቀዳምነት ዝውሃቦ። ብድሕሪኡ ኢኻ ናብ መትከል ዝወስደካ መንገዲ ንምእላሽ ናብ ፖለቲካ ትኣቱ። ትደራደር ድማ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዋላ ንድሕሪት እውን ምምላስ ከጋጥም ይኽእል። እናተፈታተሽካ ምኻድ የድሊ። ምስ ዘይትደልዮምሓይልታትን ሓሳባትን እውን ምፍትታሽ ምድርዳር የድሊ።

እዘን ሰለስተ ፀገማት እዚአን ናይ ህወሓት ሽግራት እየን። ልዕሊ እዚአን ግን ህወሓት ኣብ ታሪኽ ህዝብ ትግራይ ከትኩር ነይሩዎ። ብካልእ ታሪኽ ኢትዮጵያ እውን ማለት እዩ። ምኽንያቱ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኮር ታሪኽ እታ ሃገር እውን ስለዝኾነ። ናይ ትግራይ ታሪክ ብህወሓት ኣይኮነን ዝጅምር። ከምኡ እንተጀሚሩ ናይ ህዝቢ ትግራይ ታሪክ ኣይኮነን ማለት እዩ። ናይ ህወሓት ታሪክ እውን ናይ ሓደሰብ ታሪክ አኣይኮነን። ብሓደ ሰብ እንድሕር ጀሚሩ ናይ ህወሓት ታሪክ ኣይኮነን ማለት እዩ። እኩብ እዩ። ካብኡ እዩ ዝቕዳሕ። ንመንእሰይ ትግራይ ኮነ ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ እትጠቕሞ ብከምዚ እንተከይድካ እዩ። ኮሌክትቭ ሚሞሪ እንተሃልዩካ ኢኻ እትስዕር። ናይ ህወሓት ተረክ እውን ክስረሓሉን ንፖለቲካዊ ሃድነት ተጋሩ ከምዝምቸሆ ክግበር ነሩዎ ነዚ ክንፍትሽ ኣለና። ህወሓት ክዕሪ እንተኾይኑ እዚ እዩ ክገብር ዘለዎ።

እቲ ካልእ ብኢትዮጵያ ደረጃ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ትግራይ እውን ፖለቲካ የድልየና እዩ። ንህወሓትን ኩሎም ተጋደልትን ዝግብኦም ክብርን ዋጋን ሂብና ፅቡቑ ኣቒፅልና ኢና ንቕድሚት ክንከይድ እንኽእል። መሪሕነት እውን እኮ ኣይመፅኣልካን ከምኡ እንተዘይገይርካ። ፖለቲካ ባህልና እንተዘይቀይርናዮ እንታይ ድኣ እዩ ወያናይ ዘብለካ?

ውራይና፦ ሓሳብ ኣየድልየናን ሕዚ ኣፈፃፅማ እምበር። ናይ ኣርብዓ ሓምሳ ዓመት ሓሳብ ኣለና ዝብሃል ነገር ኣሎ ወይ ዝብሉ ሰባት ኣለው እሞ እዙይ እንታይ ንበሎ?

ሓሳብ ኣየድልየናን ዝብሃል ነገር የለን እኮ ኣብ ዓለም። እቲ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚን ናይ ሃገር መሰረታዊ ፍልፍል ፖለቲካዊ ቀውሲ ክትቕይሮ ተዘይክኢልካ እንታይ ማለት እዩ ሓሳብ ኣየድልየናን ማለት?

ቅድሚ ሕዚ እቲ ክሓስብ ዝኽእል ርእሲ ባይታ ኣይረክብን ነይሩ። ሕዚ ግን ግድን እዩ ዝብል ድፍኢታት ኣለዉ። ቅድም ኢሉ እቲ ቅቡልነት እውን ስለዝነበረ። ሕዚ ብፅሒታት ምውሳድ ኣብ ዝድልየሉ ተኣናፊ እዋን ዘለና ይመስለኒ እሞ እከለ እዚአን እንተዝገብር እንብሎ ነገር ኣሎ ዶ?

ህወሓት ንባዕሉ ከም በዓል ሓደራ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ እዩ ክሓስብ ዘለዎ። በዓል ሓደራ ማለት ክሳብ ሕዚ በፂሑ ኣሎ። ናይ ሓሳብ ይኹን ናይ ትውልዲ ሽግር ኣጋጢምዎ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ናይ ምሕዝነትን ሽርክናን ፀገማት እውን ኣጋጢምዎ ክኸውን ይኽእል። ነቲ ሓዱሽ ሓይሊ ትግራዋይ ኣበረታቲዑ ክወፅእ ዝኽእለሉ ባይታ እዩ ከመቻቹ ዘለዎ። ንባዕሉ ከም መራሒ ጥራይ እንተሓሲቡ ግን ንባዕሉ እውን ናይ ቅቡልነት ፀገም ዶ ኣጋጢሙዎ ኣሎ ሓቀይ፤ ናብ ህዝቢ ትግራይ ተመሊሱ ምስ በዓልሃፍቲ፣ ናብ ምሁርን መንእሰይን ቀሪቡ ታሕቱ ኣጠናኺሩ እዩ ክመፅእ ዘለዎ። ህወሓት ሓዱሽ ናይ ትግራይ መሪሕነት ዝፍጠረሉ ኣካል ክኸውን እዩ ዘለዎ። መዳለዊ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ቀሊል ዓመት ኣይኮነን እቲ ተጸኒሑ ዘሎ ግዝያት። እዚ እንተዘይገይሩ በዚ ሕ ዘለዎ ቁመና ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቅምን። ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ኣየድሕንን፤ ፀገማት ስለዘለውዎ ማለት እዩ።

ካልኣይ በቲ እዚኦም ቅድሚ ምግባሩ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ርጉፅ መርገፂ ክወስድ ክኽእል ኣለዎ። ኣብቲ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ርጉፅ መርገፂ ክወስድ ኣለዎ። ሰብ ሓሳቡ ዝገልፀሉ፣ ዝውደበሉ ከም ድላዩ ዝኾነሉ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ዝደለዮ ዝገብረሉ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ። እዚ ምስገበረ ድማ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝበልክዎ ንባዕሉ ከም በዓል ሓደራ ፖለቲካዊ ሓይሊ ትግራይ ቆፂሩ ንዝቕፅል መሪሕነት ትግራይ ኣብ ምድላው ክነጥፍ ኣለዎ።

እዚ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ሓደ ቕቡልነት እዩ ዘምፅእ፤ ሌጅትመሲ። ካልኣይ ዲሞክራስያውነቱ የጠናኽረሉ። ሳልሳይ ህዝባውነቱ የረጋግፀሉ። ራብዓይ እቲ ዝመፅእ ሓዱሽ ናይ መሪሕነት ወለዶ እውን ሓሳባት ሒዙ ብሓገዝ ህወሓት ምስቶም መሓዙቱ ኢትዮጵያውያን ዝፈታተሹሉ ዝደራደሩሉ ዕድል እዩ ዝፈጥር። እዚኣ እንተዘይገይሩ ህዝቢ ትግራይ እውን ክሓቶ እዩ ማለት እዩ።

ትግራይ ኣብ ህንፀት እዛ ሃገር ዝነበራ ግደ እንታይ ይመስል? ናብ ታሪኽና ንመለስ እውን ስለ እትብል ዘለኻ እስቲ ኣብዙይ ቅሩብ ትንክፍክፍ ነብሎ ኢለ እየ?

ናብ ታሪኽና ኢና ክንምልስ ዘለና። ደጋጊመ ዝብሎ እዚ እዩ። ኣብ ህወሓት ዝርእዮ ሓደ ዓብዪ ፀገም እውን እዚ እዩ። እቲ ረጕድ ጠንካራ ታሪኻዊ ሃፍትታቱ ደርብዩ እዩ ናብ ሜዳ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት መፂኡ። እዚ ከዓ ኣብ ክንዲ ብፖለቲካዊ ታሪኽ ዓዱ ኣቢሉ ዝጥምር ብክልሰ ሓሳባዊ መትከል እዩ ክሓስብ ፈቲኑ። ቼኮቬራን ሌኒንናይ ባዕሎም ታሪኽ ሒዞም እዮም ተበጊሶም። ቻፌዝ እውን ናይ ባዕሉ ነይርዎ እዩ። ካብ ናይ ባዕልኻ ኢኻ ትቕዳሕ። ቐፃልነትን ተኣሳሳራይነትን ክህልወና ኣለዎ እየ ዝብል። ካብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኢኻ እትቕዳሕ። ንኢትዮጵያ ዓንዲ ሕቖ መንግስትነት ኮይንና ዝፀናሕና ህዝቢ ኢና። ንሓድነትን ናፅነትን እዛ ሃገር እናደመይና ዝመፃእና ህዝቢ ኢና። ኣብልዕሊኡ ድማ ዲሞክራስያውነት እውን ወሲኽናሉ ክንብል ክንክል ኣለና ።

ዘኹርዑ ታሪካት ኣለውና ኣብ ታሪክ እዛ ሃገር። ስለዚ ኣነ መጀመርያ ናብ ታሪኽና ክንምልስ ክነኽብር ኣለና። ሓየሎም ክተኽብር እንተኾይንካ ንኣሉላ ከየኽበርካ ኣይኾንን። ናይ ፖለቲካ ለውጢ፣ ናይ ዲሞክራሲ ለውጢ ካልእ ጉዳይ እዩ። ንሱ ለውጢ እዩ። ቐፃልነትና፣ መደራደሪና፣ ዓቕምና ታሪኽና እዩ። ከምሃገር እውን እቲ ዝዓበየ ዓቕምና ንሱ እዩ፤ ኣብ ትግራይ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ ሓደ ይገብረና። ቦታና ንፈልጥ። እቲ ሓደ ዓብዪ ፀገም ዘሎ ኣብዛሃገር እውን ግን እቲ ናይታሪክ ትምህርቲ ምድኻሙ እዩ። እቲ ቀደም ዝውሃብ ዝነበረ ናይ ታሪክ ትምህርቲ መሊኡ ቻለንጅ ኣይተገበረን። ተደፊኡ እዩ ተሪፉ። ወይ ካልእ ተተካኢ ኣይብልናን። ታሪኽ ንምዕባለ ህዝብን ጥንካረ ሃገርን እናመረፅካ እዩ ዝውሰድ። ስለዚ ተረዳዲእና ካብ ሓደ ነጥቢ ክንብገስ ዝገብር ናይ ታሪኽ ተረኽ ኣይብልናን። ናይ ታሪክ ትምህርቲ ብምድካሙ ምስቲ ናይ ህዝቢ ለውጥ(ድሞግራፊክ ትራንዝሸን ክልሰሃሳብ) ቀውሲ እዩ። ኣብዚ ዓብዪ ጉድለት እዩ ዘሎ። ታሪኹ ዘይፈልጥ ሕብረተሰብ ናይ ዕስራ ናይ ሰላሳ ዓመት ታሪኽ እንተነገርካዮ ዋጋ ኣይህልዎን።

ካልኣይ ሓድነትና ክነጠናኽር ኣለና። ህወሓት ጥራይ ኣይኮነን፤ ካልኦት ከም ህወሓት ቃልሲ ዝጀመሩ እውን ነይሮም እዮም። ካብዚ ኢና እንቕዳሕ እሞ ከጠንክረና ዝክእል ሓድነት ክህልወና ኣለዎ። ሓደ ሓደ ውድባት ርኢኻ እንተኾይንካ ንኣብነት ኦሆዴድ እሞ ውሰድ ናይ ክብሪ ጋሻ ንነጋሶ ጊዳዳ እዮም ዝዕድሙ። እዚ ዓብዪ ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባ እዩ ዘመላኽት። ንሕና ከምኡ ዲና? ክንደይ ዓቕምን ሓይልን ዘለዎም እኮ ተበታቲኖም እዮም ካ ብህወሓት። ኣብ ውሽጥኻ ተበታቲንካ ኣብ ኢትዮጵያ ድኣ እሞ እንታይ ዓይነት ዓቕም እዩ ክህልወካ ዝክእል። ኣብዚ ዘሎ ነገር ክርአ ዘለዎ እዩ ዝመስለኒ። ኣብ ታሪኽ ዓብዪ ታራ ዝነበሮም ተጋሩ እውን እንድሕር ነይሮም ግቡእ ዝኾነ ባይታ፣ ቕቡልነት፣ ህያብ ሂብካ እዩ ንቕድሚት ክኽየድ ዝከኣል።

ታሪኽ ከም ታሪኽ ክውሰድ ክክእል ኣለዎ። እቲ ናሬቲቭ ክስተኻከል ኣለዎ። ስለዚ ኣነ ኣብ ታሪኽ ዝርእዮ እዚ ከምዚ ዝበለ ነገራት እዩ። እቶም ካልኦት በሊፆምና እዮም። ናይ ኦሮሞ ዲስኮርስ እንተርእይኻ ኣብ ታሪኾም እዙይን እቱይን ኣይብሉን። ጌጋ ዝፈፀመ ክህሉ ይኽእል እዩ። ናይ ባሌ ይኹን ናይ ታደሰ ብሩ ይኹን ዋላ እቲ ናይ ኦነግ ናሬቲቭ ይኹን ተደሚሩ እዩ ነቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ዝፀልዎ ዘሎ። ካብኡ ዘይቕዳሕ ነገር የለን።

ምስ ኤርትራ ዘለና ጉዳይ ከመይ እዩ ዝርአ? ከመይ እዩ ክኾን ዘለዎ?

ናብ ታሪኽ ንመለስ ኣብዚ እውን። ከም ህዝቢ ሓደ ኢና ንብል።ብቀርኒ ኣፍሪካ ደረጃ ንዓና ዝፀልዉ ኣብ ኤርትራ እውን ኣለዉ እዮም። ከም ሓደ ህዝቢ ብቋንቋን ባሀልን ዝቐረበ ህዝቢ እውን ዝጠፍኣሉ ኩነታት እዩ ኣብ ኤርትራ እውን ዝፍጠር ዘሎ ማለት እዩ። እቲ ናይ በረኻነት ኩነታት እናጎልሀ ዝኸደሉ ኩነታት ኣሎ። ብናህና ባእሲ ምኽንያት በለጸኛታት ኢድ ዘእትውሉ ብቐፃልነት ዘዳኽምሉ፣ ንዓና ዝጎድኡሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጰያን ብፍላይ ድማ እቲ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ ወይ ዘይሩዘይሩ ከባብያዊ ምትእኽካብ እንድዩ ዝመፅእ ብቁጠባን ካልእን ምትእስሳር፤ ኣብዚ ፍጠር ከባብያዊ ምትእስሳራት ወይ መሪሕ ክንኸውን ኣለና ወይ ክንጭፍለቕ ኢና እኮ እዩ። ካልእ እኮ ኣይብሉን። ወይ መራሕቲ ኢና ወይ ተጨፍለቕቲ ኢና። ምዝርራብ፣ ምትዕራቕ፣ ምቅርራብ፣ የድልየና። ህውልናና መጀመርታ! ባህልና ክንዕቅብ ታሪኽና ክንዕቅብ ኣለና። ሰላምናን ቅሳነትናን ክነረጋግፅ ኣለና። ብድሕሪኡ ሓይልናን መሪሕነትናን!ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይመርሕኦ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ከባብያዊ ምትእስሳር ኣፀጋሚእዩ። ስለዚ ወይ ክንጭፍለቕ ኢና ወይ ክንመርሖ ኢና።

ምጭፍላቕ ኣይንመርፅን እሞ፣ ትሕት ክንብል ኣይንቕበልን ታሪኽና ኣይፈቕደልናን እሞ ከመይ ኢና ክንምርሕ እንኽእል?

ክንዮ እቶም መንግስታት ምሕሳብ የድልየና። መንግስታት ሽዑ ከይፈተዉ ይቕበልዎ እዮም። እቲ ተካኢ መሪሕነት ድማ ኣብዚ ጉዳ ይ እዚ ፅቡቕ ናይ ስኒትን ፍቕርን መርገፂ ሒዙ ይመፅእ። ደንጉዩ ኢና ንብል ዘለና። ካብ ዝተርፍ ግን ምጅማሩ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሽግራት ዝበዝሑ ፀረ ክልቲኡ ሃገር ዘቕንዑ እዮም። እቲ ናይ እስልምና ኣኽራራይነት በሎ፣ ናይ ጅሃድበሎ፣ ናይ ድሕንነት ቀጠና እንተስኢንናዮ ስኢናዮ ኣለና ማለት እዩ። ንኤርትራ ከም ድላዩ ዝገብር ናይ ደገ ሓይሊ ንትግራይ እውን የረካኽበላ ኣሎ፤ ኢትዮጵያ እውን ትልከምኣላ ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ግን ጥሙር ዓቕሚ ኢና ንስእን ዘለና።

ብወገን ኤርትራ ግን ከምኡ ዓይነት ስምዒትን ተበግሶን ኣሎ ዶ ትብል?

ናይ ህዝቢ ባእሲ ዝብሃል እኮ የለን። ተባኢሱ እውን ኣይብኣስን። ግን ናይ ክልቲኡ መንግስታት ፖሊሲ እንተዘይቀኒዑ፣ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ሊሂቃን ሓሳብ እንተዘይተወሃሂዱ በበይኖም እንተከይዶም እቲ ህዝቢ ከሳራይ እዩ። ዘምለጡና ዕድላት ንርአ። ውግእ መን ወለዐ መን ኣይወለዐ ዝብል ንታሪኽ ገዲፍና ካብ ሎሚ እናተበገስና ክሳራ ንቐንስ። ከም ህዝቢ፣ ከም ቁጠባ፣ ከም ታሪክ፣ ከም ባህሊ፣ ከም ጉዳይ ተጨፍላቕነትን መሪሕነትን ኣብዚ ዞባ እዚ ዘለና ግደ እንታይ እዩ ኢልና ንፈትሽ።

ከም ተጋሩ ከምዚአን እንተዘይገይርና ከምዚ ክመፀና እዩ። ከም ኢትዮጵያ ድማ ከምዚ እንተኮይኑ መወዳእትኡ እዚ እዩ እንብሎ ነገር እንታይ ኣሎ?ካብቶም ዘለዉ ናይ ሓይሊ ሚዛናት እናተበገስና ማለተይ እየ?

እሞ ከም ተጋሩ ክንርእዮ ዘለና ዝመለኒ ናብ ታሪኽና ተመሊስና ሕጂ ዘሎ መሪሕነት ህወሓት እውን ሓዱሽ መሪሕነት ክመፅእ ናይ ባዕሉ ግደ ተፃዊቱ፤ ብኡ ኣቢልና ምስቶምናይ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ሓይልታት ክንደራደር ክንፈታተሽ፣ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ፈጢርና ሕጂ ክንጅምሮ ኣለና። እዚ እንተዘይገይርና ቁፅርና፣ ወይ ሰራዊትና፣ ወይ ገሌና ናይ ቁጠባ ዓቕምና ኣብ ምንም ኣየብፅሓናን።

ብኢትዮጵያ ደረጃ፤ እቲ ድሕሪ መረፃ 97 ዝወፀ ገገሊኡ ሕግታት እማ እናፈተሽካ ክቕልበስ ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ እዛ ሃገር፤ ውሽጣዊ ሓደጋ ማለተይ እየ ናይ ዲሞክራሲ ሃዋህው ዘይምህላው እዩ። ካብቲ ጥሕሰት ሕጊ ንላዕሊ ፈተና ዝከውን ዘሎ ሃዋህው ዲሞክራሲ እናጥፋእና ምምፃእና እዩ። እዚ እንድሕር ኮይኑ ነዛ ዓዲ እዚኣ ናብ ዘየቋርፅ ዕንወትን ግጭትን ኢና እንደፍኣ። ስለዚ ህዝቢ ዝሳተፈሉ፣ ዝዛራረበሉ፣ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ፖለቲካ እዛሃገር እውን ዝዋስእሉ ሓደናይ ፖለቲካ ቃል ኪዳን ዝወፅኣሉ፤ እቲ ሕገ መንግስቲ እውን እንተስ ክመሓየሽ እንተስ ክቕፅል፤ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝፍተሸሉ መንግድታት ክንከፍት ኣለና። ቀፃልነት እዛ ሃገር እውን ኣብኡ እዩ ዝምስረት።

ከም ኣነ ነዞም ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ናይ ማሕበረሰብ ሓይልታት እማ ክንፈርሖም ኣይብልናን። ምኽንያቱ ጥንኩር ዝኾነ ታሪካዊ ደረት ስለዘለና እዩ። ሕጂ እውን ነዚ መድረኽ እዚ ክንፈጥሮ ንፅዕር ስለዘለና ኣብ ታሪኽ ዘለና ተቐባልነት እናዓበየ ስለዝከይድ ክንፈርሖም ኣይብልናን። ኣናኣሽቱ ሓይልታትሒዝና ክንደራደር እንተፈቲንና ግና ምናልባት ዝጎድኣና እዩ ዝመስለኒ። ካብኡ ንላዕሊ ኢና እሞ።

ውይና፦ ነመስግን ክቡር ፕሮፌሰር። ኣብ ቀፃሊ ድማ ብፅሑፋት እውን ንመንበብትና ትንታነታትካ ክተካፍለና ነተስፍው።

ኣነ እውን ከብረት ይሃበለይ። እሺ።