ውራይና፦ ኣብዚ ሎሚ ህወሓት ገይርዎ ዘሎ ለወጢ፡ ሓሳብካ ክትህበና፤ እቲ ከይዲ ከመይ ርእይኻዮ? እንታይ ይኸውን ኣሎ፣ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ጀነራል ፃድቃን፦ እቲ ከይዲ ኣብዚ ምብፅሑ ፅቡቕ እዩ። እቲ

ሕዚ ዘሎ ምትዕርራይ እውን ንቕድሚት ብዝበለፀ ክኸይድ ክስራሕ ኣለዎ፣ ክድገፍ ይግበኦን እየ ዝብል። እቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ንነዊሕ እዋን እናተኣከበን እናተሓላለኸን ናይ ዝመፀ ፖለቲካዊ ኩነታት መግለፂ እዩ እየ ዝብል። ሐዚ ናብ ናይ ህወሓት መሪሕነት መፂኡ ዘሎ ሓዱሽ ሓይሊ (ኣብዚ እዋን ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ እቶም ዝሓሹ እዮም ተመሪፆም ዘለው) ንቲ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታትና ዘሎ ሕልኽላኽን ክብደትን በዝግባእ ክመዝን ኣለዎ።

ካብዚ ተበጊሱ ክልተ መማረፅታት ዘለውዎ ይመስለኒ። እቲ ሓደ፤ በዚ ክሳብ ሐዚ፡ ብፍላይ ድሕሪ 1993 ተሃድሶ ዝበልዎ ዝተመፀሉ መንገዲ ምኻድ። እዚ ማለት እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ንኹሉ ነገር መልሲ ዘለዎ፣ ናይ ሓሳብ መመንጨዊ፣ ኣመራርሓ ወሃባይ፣ ኩሉ ወሳናይ… ገይርካ ምርኣይ። ኣብ ከይዲ ድማ ብናይ ኣተሓሳስባ ፅሬትን ናይ ኣመራርሓ ብቕዓትን ልዕልነት ክትረክብን ህዝቢ ክተኽትትን ከይከኣልካ ክተርፍ ከለኻ ድማ ብሓይልን (ብምእሳር፣ ብምቕፃዕ፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈሩ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ብዕፋን) ብምጥባር ብገንዘብን ስልጣንን፤ እዙይ ኩሉ ከዕርፎ ንዘይከኣለ ሓይሊ ድማ ብምፅላምን ብምድሃልን፣ እዙይ ንምግባር ድማ ብጉጅለታት ተኣሳሲርካ ምስራሕ እዩ ነይሩ እቲ ስልቲ። እዚ ስልቲ እዚ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብዘላቶ ፖለቲካዊ ሽግር ኣየናግፍን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኣፈደገ ጠቕላላ ውድቀት ኣብፂሑና ኣሎ። እሞ ነዙይ ድዮም ከቐፅሉ ወይስ ንቲ ኣብ ንውሕ ዝበለ ግዜ እናተኣከበ ዝመፀ ፀገም ምስ ህዝቢ ኮይኖም ክፍትሑ እዮም ከፅዕሩ እዩ እቲ ምርጫ።

ኣብዚ ከይዲ እዙይ ድማ ንባዕልቶም ከም ኣብ ሓደ ታሪኻዊ እዋን ናብ ስልጣን ዝመፁ ሓይሊ ብጠቕላላ ከም መሳለጥቲ፣ ወኪላት ናይ ለውጢ ገይሮም እዮም ዝርኡ? ኣየናይ እዩ እቲ መርጨኦም? ናይ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ኣንፈቶም ብኣግባቡ ሓሲቦም ክምልስዎ ይግባእ እብል።

እቲ ካልኣይ መማረፂ ማለት ናይ ህዝቢ ናይ ህዝቢ ናይ ለውጢ ድሌት መሳለጥቲ፣ መተሓባበርቲ፣ … ኣብዙይ እውን ንሳቶም ከም ውልቀ ሰባት እጃሞም ዝፃወቱ ገይሮም እንተሪኦም ነገር ክቕንዕ ዝኽእል ይመስለኒ። ብቲ ዝፀንሐ ስልቲ ተጎጃጂልካ ስልጣንን ገንዘብን ሒዝካ በዙይ እናጠበርካ ወይ እናፈራራሕኻን እናቐፃዕኻን ምኻድ ግን ካብ ሐዚ ንንየ ኣይሰርሕን ጥራይ ዘይኮነ ናብ ጠቕላላ ጥፍኣት ክወስደና እዩ እብል። ካብዙይ ተበጊሰ እዚ ሐዚ ዘሎ ኣመራርሓ ንባዕሉ ከም ድልድል ገይሩ ክርእይ ዘለዎ ይመስለኒ። ድልድል ማለት ነቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ ህወሓት መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዝፀንሐሉ እዋን (እቲ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ እዩ ነይሩ እቲ ዓብላላይ ሓይሊ ነቲ ፖሊቲካ ዝቐርፅ/ዝዝውር)፣ ነዚ ምዕራፍ ዝዓፁ ነቲ ቀፃላይ ምዕራፍ ድማ ናብቲ ሓድሽ ወለዶ ስልጣንን ሓላፍነትን ንምርካብ ፅቡቕ መደላድል ዝፈጥር ድልድል ገይሩ ክርኢ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ናይ ዝሓለፈ ዝዓፁ ክብል ከለኹ ብዙሕ ዝተንጠባጠበ ነገራት ኣሎ፣ኣብ ዝሓለፈ እዋን መልክዕ ብዘለዎ መንገዲ ተዓፅዩ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዝፀንሐ ናይቲ ናይ ቀደም ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ ኣመራርሓ ሓይሊ ድማ ክሳብ ሕዚ ነቲ ቀፃላይ ምዕባለ እውን ንሱ ብዝመስሎ መንገዲ እንዳቀረፀ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ሓይሊ እዚ መማኸሪ ክኸውን ይኸእል፣ ካብ ተመክርኡ ተበጊሱ ፅቡቕ ነገር መሲሉ ዝራኣዮ ነገር ከቕርብ ይኽእል እዩ። ናይቲ ቀፃሊ ጉዕዞ ገባሪን ሓዳግን ክኸውን ግና የብሉን። መልክዕ ብዘለዎን ማዕርግ ብዘለዎን ንህዝቢ ትግራይ ብዝጠቅምን ብኽብሪ ቀስ ብቀስ ኣኽቢርካ ካብቲ ወሳናይ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ምንቕስቃስ ክወፅእ ኣለዎ።

እቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ ብኽብሪ ተዓፅዩ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን። ብዙሕ ዝንተንጠባጠቡ ነገራት ኣለዉዎ። እዚ ኣኽቢርካ ምዕፃው ፅቡቕ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ንቀፃላይ እውን፣ ካብ ኣሉታዊ እንዳተባኣስካ፣ እንዳተናቆርካ ትነብረሉ መንገዲ ኣውፂኡስ ፅቡቕ ነገር ከምፅእ ይኽእል ኢለ ስለስሓሰብኩ እዩ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቁስሊ ክሕዊ ይኽእል እዩ ኢለ ስለዝኣምን እዩ። እቲ ቁስሊ ብዙሕ እዩ። ብኣካል ዝቆሰለ ተጋዳላይ ኣሎ፣ ምንም ዘይብሉ። ዝፈረሰ ገዛውቲ ኣሎ፣ ዘይሓወየ፣ ናይ ዝሓለፈ ዕጥቂ ቃልሲ ቁስሊ እዩ። ብኣተሓሳስባ ተፈላሊኻ ተጎጃጂልካ እንዳተናኸስካ ናይ ምንባር ቁስሊ ኣሎ። ብዙሓት ዓይነት ቁስልታት ኣለዉ። እዚአቶም ክፍትሑ ኣውራ ድማ ክዕፀው ምግባር ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ሕዚ መፅእዩ ዘሎ ኣመራርሓ ነዚ ንምግባር ፅቡቕ መበገሲ ኣለዎ ኢለ ይኣምን።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ናብቲ ሓድሽ ወለዶ ስልጣን ሓላፍነት ዝርከበሉ ኩነታት መደላድል ክፈጥር ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ሓድሽ ኣመራርሓ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘይነበሩ ሓደሽቲ ኣባላት ብብቕዓቶም ናብኡ ዝኣተዉ ከምዘለዉ ይፈልጥ እየ። ግን ከም ምድብ ክርአ ከሎ እቲ ወሳኒ ተራ ዝፃወት ዘሎ እቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበረ ኣመራርሓ እዩ። ብዝተፈላለየ ደረጃ ኣብኡ ዝነበረ እዩ። ናብቲ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ እቲ ናይ መጀመርታ ኣገዳሲ ነገር ዝመስለኒ ዝተወደበ ሓሳብ ምሓዝ እዩ። ዝተወደበ ሓሳብ ማለት ከም ተጋሩ መጠንሲ እንታይ ኢና ክንከውን ንደሊ ብፖሊቲካ፣ ብኢኮኖሚ እንታይ ኢና ክንከውን ንደሊ፣ እንታይ ግደ ኢኮኖሚ ክህልወና ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ሃገርና ፖለቲካዊ ኩነት እንታይ ዓይነት ተራ ክህልወና ንደሊ፣ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ዝምድና ክህልወና ንደሊ፣ ምስ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ዝምድና ክህልወና ንደሊ፣ ኣብ ዓድና ዘሎ ሃብቲ ሰብን ማተሪያልን ዘለና ዓቕሚ ተጠቂምና ናብ ዝላዓለ ንምስግጋር እንታይ የድልየና ዝብሉ ዝተወደቡ ሓሳባት ምሓዝ የድልዩ።

እዚ ዝተወደበ ሓሳብ ካብ ሓደ ጉጅለ ወይ ክልተ ጉጅለ ወይ ሓደ፣ ክልተ ሰብ ጥራሕ ዝመፅእ ኣይኮነን። ብገፊሕ ተሳትፎ ህዝብን ብገፊሕ ምይይጥን፣ ብገፊሕ ፅንዓትን በልፂጉ ክወፅእ ኣለዎ። እዚ ድማ ናብ ህዝቢ እንዳኸደ ህዝቢ ድማ እንዳተቀበሎ ክኸይድ ኣለዎ። እዚ ከይዲ እገረ መንገዱ ኣብኡ እንዳሃለወ ሓደሽቲ መራሕቲ ክፈጥር ክኽእል ኣለዎ። ካብቲ ሕብረተሰብ ነቲ ሓሳብ ዝሽከሙ፣ ነቲ ሓሳባት ናብ መወዳእታ ከብፅሑ ዝኽእሉ መናእሰይ ሙሁራት ሓደሽቲ መራሕቲ ክፈጥር ክኽእል ኣለዎ። እዚ ከይዲ እዚ ውፅኢታዊ ክኸውን ካብ ፍርሒ ዝተላቐቐ፣ ካብ ይብሉኒ እከለ እዚኣ ኣይፈቱን እዚኣ ይፈቱ ካብ ዝብል እውን ዝወፀ፣ ንዓድን ሕብረተሰብን ማእኸል ዝገበረ፣ ንዓድን ህዝብን ይጠቅም እየ ኢሉ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ ከይተሸማቐቐ፣ ከይፈርሐ እዚኣ ዶ ይብሉኒ ከይበለ ንከቅርብ ዕድል ዝህብ ክኾን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ እዚኣ ናበይ ተብፀሐኒ፣ ትጠቅመኒ ዶ ኣይትጠቅመንን እንከይበለ ሓሳብ ዘቕርበሉ ገፊሕ መድረኽ ክኽፈት ኣለዎ።

እዚ መድረኻት እግሪ መንገዱ ኣብኡ እንዳሃለወ ንህዝቢ መወደቢ፣ መራሕቲ መፍጠሪ፣ ህዝቢ ዝውደብ፣ ህዝቢ ናብ ሓደ ሓሳብ ዝኸትት ዝተወደበ ሓሳብ ክህልዎ የኽእል። ዝተወደበ ሓሳብ መፈልፈሊ፣ ንህዝቢ መወደቢ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት መፈልፈሊ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መንገዲ ሓሊፍካ ናብ ሓፈሻዊ ነቲ መድረኽ ዝጠልቦ ኣመራርሓ ክህቡ ዝኽእሉ፣ ነዚኦም ተሸኪሞም ነቲ ህዝቢ ነዊሕ ክወስድዎ ዝኽእሉ፣ ብቁዓት ሓደሽቲ መራሕቲ ዝፍጠርሉ መስርሕ ገይርካ ክርአይ ኣለዎ። እዞም ኣብዚ ስልጣን መፂኦም ዘለዉ መራሕቲ እዚ እንድሕር ከዕውቱ እንተኾይኖም ብናተይ ኣረኣእያ መጀመርታ ናታቶም ተራ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ከነፅሩ ኣለዎም። ብናተይ ኣረኣእያ እዚ ተራ ክንፃወት ኣለና ክብሉ ዘለዎም ይመስለኒ።

እዚ ንምግባር እቲ ፖሊቲካዊ መድረኽ እንዳኸፈቱ፣ ናይ ብዙሓት ሰባት ሓሳብ፣ ሓሳባት ማለት ብዝሒ ቁፅሪ ሰብ ምእካብ ማለት ኣይኮነን። ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ዝውከልሉ መድረኽ ምህላዉ ማለት እዩ። ዝተፈላለየ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ብቁፅሪ ክውሕዱ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም መራሕቲ ክስምዕዎ ዝደልዩ ዘረባ እንዳተዛረበ ዘወድሶም ሰብ እንዳሰምዑ ኮንፈረንስ ኣካይድና፣ ንኽንድዙይ መዓልቲ ተኣኪብና… ዝብልዎ መሰረታዊ ዕላምኡ ናይ መስራፅ ፕሮፖካንዳ ዝኾነ ተዋስኦ ኣይኮንኩን መድረኻት የስፍሑ ዝብል ዘለኹ። ሰባት ብገፊሑ መማረፂ ሓሳባት ኣቕሪቦም ኣብዚ መማረፂ ሓሳባት ድማ ሓድነት ተፈጢሩ ወይ ድማ መማረፂ ሓሳባት ተነፂሮም ወፂኦም ንቐፃሊ እውን እዞም ዝተፈላለዩ ሓሳባት ነንባዕሎም እንዳተፋተጉ ብሰላማዊ መንገዲ ንህዝቢ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ መማረፅታት እናቀረብሉ ፅቡቕ ኣታሓሳስባ ክሕዘሉ ዝኽእል ኩነታት ምፍጣር የድሊ።

ስለዚ ናብቲ ቀፃሊ ምሽግጋር ዝብል ክርኢ ከለኹ ብጣዕሚ ገፈሕቲ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክህልዉ ኣለዎም። ብጣዕሚ ብዙሓት፣ ናይ ግድን ዓበይቲ ክኾኑ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ተገበርና ይሓይሽ ዝብል እንዳተላዕሉ፣ ምይይጥ ዝግበረሎም ዝበሰሉ ሓሳባት ዝቐርብሎም፣ ብዘይ ፍርሒን ስክፍታን ብዘይ ናይ ባዕልኻ ፖሊቲካዊ ቦታ ምምችቻው ምሕሳብን ዝቀርቡ ሓሳባት ዝቐርበሎም። እቶም መራሕቲ ዋና ስርሖም ድማ ነዚኦም ዘመሓድሩ። እንተኾ ፅቡቕ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብዚ ናይቲ ህዝቢ ዘሎ መረረት እውን ናይ ምምሕዳር፣ ናይ ግልጋሎት ምጉዳል ብዝተኻእለ መጠን እቶም ዕንቕፋት ዝፈጥሩ ዝነበሩ ፀገማት እንዳፀራረግካ እዚኣቶም ንምዕራይ፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና ንቀፃሊ ገፊሕ ዕድል ኢንቨስትመንት ንምኽፋት ምቹው ኩነታት ዝፍጠረሉ፣ ደቂ ዓዲ ክኾኑ ይኽእሉ ካብ ዓዲ ወፃኢ ዘለዉ ሰባት ኣብኡ ዘሎ ሃብቲ ተጠቂሞም ነዚ ዓዲ ንምዕባይ ገፊሕ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቃስ ንምግባር ፅቡቕ መደላድል ዝፍጠሩ ገይሮም ክርእይዎ ኣለዎም እብል። ሕዚ ናበይ ከም ዝኸዱ ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ። ብናተይ ኣረኣእያ ተረኦም እውን ብደንቢ ኣነፂሮም፣ ከም መሪሕነት እዚ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ኣይጀመሩን።

ውራይና፦ ኣብቲ ገምጋም ክልተ ነገር እዩ ዝለዓል። በቲ ሓደ ገፅ ካብቲ መግለፂ እውን ከምዝራእናዮ ብሓቒ ነቲ ነገር ርእዮም ትኽክለኛ ፀገሞም ካብ ውሽጢ ንምፍታሕ ኢዮም ተላዒሎም፣ ብኡ እውን ኣብቲ ኣዳራሽ ካብ ዝነበሩ እቶም ዝሓሹ እዮም ተመሪፆም ዝብል ኣሎ። ብኻልእ ገፅ ድማ ኣይ፣ ከምኡ ገምጋም ኣይገበሩን እቲ ሓደ ጉጅለ ነቲ ሓደ ዘጥቀዐሉ እዩ ነይሩ፣ ተመሊስካ ቦታኻ ንምዕራይ እዩ ነይሩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። እዚ ከመይ ትርእዮ?

ኣብዚ ግዘ እዚ፣ ማለት ኩሉ ግዘ ስልጣን ኣብ ዝህልወሉ እዋን እቲ ስልጣን ዝሓዘ ወሳኒ ስራሕ ስለዝሰርሕ ንዑዑ ከየወገድካ ካልእ ሓደሽ ፖሊሲ፣ ኣንፈት ንምምፃእ የሸግር እዩ። ስለዚ እቲ ዝተገብረ ስራሕ ናይ ምፅራግ ስራሕ ኢለ እየ ዝወስዶ። ነቲ ህዝቢ ናብ ዕብይ ዝበለ ፖሊቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፀጥታዊን ጉዳያት ንምውሳድ ዕንቅፋት ዝፈጥር ዝነበረ ሓይሊ ምፅራግ ገይረ እየ ዝወስዶ። እቲ ምፅራግ ኣናእሽተይ ናይ ውልቀ ሰባት ፖሊቲካዊ ረብሓ ዝንባለ ኣይነበሮን ክብል ኣይክእልን። ብሓፈሻ ግን ናብ ፅቡቕ መበገሲ ዝኸውን ደረጃ ዘሰጋገረ ይመስለኒ። ንዓይ ግን እቲ ዋና ነገር እዚ ሕዚ ተገይሩ ዘሎ ኣይኮነን፣ እቲ ዋና ነገር ድሕሪ ሕዚ ዝግበር እዩ። እቲ ሕዚ መፂኡ ዘሎ ኣመራርሓ ካብ ሓደ ንትግራይ ብዙሕ ሽግር ዝፈጥር ዝነበረ፣ ኣብ ትግራይ ክፍጠር ዝኸእል ዝነበረ ፖሊቲካዊን ኢኮኖሚያውን ምንቕስቃስ ቀይዱ ሒዙ ዝነበረ ሓይሊ ኣላቒቑ ኣሎ። እዚ ዓብይ ስራሕ እዩ፣ ንእሽተይ ስራሕ ኣይኮነን። ግና መበገሲ እዩ፣ እቲ ዋና ስራሕ ካብ ሕዚ ንደሓር ዘሎ እዩ። ስለዚ ኣነ ክልክዖ ዝደሊ ካብ ሕዚ ንነየ ተረኦም ከመይ ገይሮም የነፅሩ፣ ተረኦም ብግቡእ ንምፅዋት እንታይ እንታይ ተግባራዊ ምንቕስቃስ ይወስዱ፣ ንህዝቢ ከመይ ገይሮም ናብቲ ቀፃሊ ዓብይ ስራሕ የእትው፣ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ከመይ ይፈጥሩ። ከምዚ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት እዩ። እዚ ድማ ገና ኣይተጀመረን። እዚ ንቕድሚት ዝረአ ነገር እዩ። ኣነ ብውልቀይ ናብኡ ንኽኸዱ ክሕግዝ ይደሊ፣ ከበረታትዖም እውን ይደሊ። ናብኡ ክኸዱ እውን ተስፋ ይገብር፣ ብኡ ክዕቕኖም እውን ይደሊ።

ውራይና፦ ገለ ሰባት ከኣ እዚ ውድብ ከምዚ ዝበለ ምትዕርራይን ለውጢ ሰባትን እንተገበረ ዝመፅእ ለውጢ ኣይክህሉን። ምኽንያቱ እቲ መሰረታዊ ፀገም ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣይዲዮሎጂ እዩ ዝብገስ። ባዕሉ እቲ ወያናይ ዴሞክራሲ ዝብሃል ዓፋኒ፣ ጨቛኒ፣ ዘየለ ኣይዲዮሎጂ እዩ። እቲ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብልዎ እውን ንሳቶም ነቲ ኢኮኖሚ ንምቁፅፃር ዝጥቀምሉ እንበር ዘይሰርሕ ናይ ዜጋታት መጨቆኒ፣ መጥቀሚ ሰበስልጣን ገርካ ዝርኢ ስለዝኾነ እዚ ከይተቀየረ ለውጢ ኣይመፅእን ዝብሉ ኣለዉ። ገብሩ ንኣብነት ብትረት ኣብ ዝተፈላለየ ሚዲያታት ይገልፆ ኣሎ። ቪኦኤን ኣብ ካልኦትን ዝተፈላለዩ ሚድያ። ሎሚ ቕነ ባዕሉ እውን ይብሎ ኣሎ። ናይቲ ኣይደሊዮጂን መሰረታዊ ኣተሓሳስባን ለውጢ እንተዘይተገይሩ ኣየኽይድን ንብል?

ብናተይ ኣርኣእያ እቲ ሽግር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣይድዮሎጂ ኣይኮነን። ወያናይ ዴሞክራሲ ብነሃተይ ኣርዳድኣ፡ ካብቲ ታሪካዊ ኣመፃፅእኡ ‘ውን እንተተበጊስና፡ ኣብዚ ዘለናሉ መዋእል ኣብተን ዘይማዕበላ ሃገራት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ኢኮኖምያዊ ዕቤትን ከመይ ክመፅእ ይኽእል ዝብል ብጣዕሚ መሰረታዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሕቶ ንምምላስ ዝፍትን ትኽክለኛ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ምስኡ እውን እቲ ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብል ናይ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ኣተሓሳስባ ሓቢሩ ዝኸድን ከም ሃገርና ዝመሰለ ፖለቲካዊን ናይ ኢኮኖሚ ዕቤት ማሕንቘን ንዘለዎን ዓድታት ዝጠቅም መማረፂ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። እቲ ኣብዮታዊ ዴሞክራሲ ዝበሃል ኣተሓሳስባ ናይ ኣተሓሳስባ መሰረቱ እቶም ፅጉማት ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ መበገሲ ገይሩ ግን ኣብኣቶም ጥራሕ ከይተሓፀረ ናይዚኣተም ኢኮኖምያውን ፖለቲካውን ፀገማት እናፈትሐ ናይ ሃገር ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ኢኮኖምያዊ ዕቤትን ንምምፃእ ዝሃቀነ ኣርኣእያን ኣተሓሳስባን እዩ ኢለ ስለ ዝኣምን ይቕበሎን ይድግፎን እየ።

ወያናይ ዴሞክራሲ ዋና ትኹረቱ ኣብ ናይ ሕብረተሰብ ክፍልታት መሰላት (ናይ ውልቀሰብ መሰላት ከይተፃረረ) ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ከይጠሓሰ ብዋናነት ግን ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን መሰላት (social and economic rights) ዘተኮረ ኣተሓሳስባ ስለ ዘኸነ ‘ውን ኣብቶም መሰረታዊ ናይ ዴሞክራስን ናይ ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ሕቶታት ዘተኮረ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ብኣንፃሩ ሊበራል ዴሞክራሲ ዋና ትኹረቱን መበገሲኡን ውለቀሰብ ዝገበረ፣ ብናይ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ኣተሓሳስብኡ ድማ እቲ ሐዚ ናይ ኒዮሊበራል ኣተሓሳስባ ዝብል ሓሳብ ዋና ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲ ሕምብርቲ ገይረ ዝወስድ ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዙይ እንኳን ዶ ከም ሃገርና ዝበለ ንወለዶታት ዝፀንሐ ድኽነት ዘለዎ ብዙሓት ሕብረተሰባዊ ጉጅለታት (ናይ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ጮታ… ኣፈላላይን ጭቆናን) ዝነበረሉ ሃገር ንተን ዝማዕበላ ሃገራት እውን በዚ ናይ ሊበራል ዴሞክራሲ ኣተሓሳስባ ክኸዳ ዘጋጥመን ዘሎ ፀገም በቢመዓልቱ ንሰምዖ ዘለና ጉዳይ እዩ።

ስለዚ ንዓይ እቲ ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባን (ኣይዲዮሎጂ) ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ ናይ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ኣንፈትን ንሃገርና ትኽክለኛ መማረፂ እዩ በሃላይ እየ። እዙይ ገሊኦም ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ “ናይ ውፅዓት ምልኪ” ስለዝብል መሰረታዊ ጌጋ ኣለዎ ከም ዝብሉ ይፍለጥ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ከይዲ ስልጣን ዝሓዙን ዝደልዩን ንኣኣቶም ዝጥዕሞም እናጓዕፀፁ “መላኻይ ዘይዴሞክራስያዊ” ከምስልዎ ፈቲኖም እምበር እንኳይ ዶ እቲ ሰፊሕ ዴሞክራሲ ከምፅእ ዝቃለስ ዌያናይ ዴሞክራሲን እቲ ናይ “ሸቃሎ ምልኪ” እናተበሃለ ዝፅዋዕ ሶሻሊስታዊ ስርዓት ‘ውን በቶም ደረስቱ ኣንደበት ክዝረብ ከሎ ብሓይሊ ጥራሕ ይመፅእ ብሓይሊ ይተሓሎ ኣይብልን።

ብሰፊሕ ዴሞክራስያዊ ተሳትፎ ይመፅእ፣ ብኡኡ ይዕምብብ እዩ ዝብል። ወያናይ ዴሞክራሲ ናይ ቡዝሓት ዴርብታትን ናይ ሕብረተሰብ ክፍልታትን ንቑሕ ተሳትፎ ክፃወቱን ቀፃላይ ዕቤቱን ወሳናይ ስለ ዝኾነ ዴሞክራስያዊ ዝኾነ እምበር ካሊእ መንገዲ የብሉን።

እቲ ዓብዪ ፀገም እቶም ሐዚ ንቲ ውድብ ዝመርሑ ዘለው መራሕቲ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ምሕሳብን ምምይያጥን ምምዕባልን፣ ጭቡጥ መሰረት ገይርካ መፍትሒ ምንዳይ ካብ ዝቋርፁ ነዊሕ ግዜ ኾይኑ ኣሎ። ናይ ምሕሳብን መፍትሒ ምንዳይን ንዝተወሰነ ሰብ ሂቦም ተሓሲቡ ተቐሚጡልና እዩ እዮም ዝብሉ። መኺኖም እዮም። በዚ ኣቢሉ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከስርሕ ዝኽእል ኣተሓሳስባ እንደሃለወ ካብኦም ብዘይሕሹ ኣብ መንገዲ ሕለፍ ክሓልፍ ቆብ ብዘበልዎ ዘረባ ክጥቃዕ ይገብርዎ ኣለው። ነዙይ ዘመቻቹ ኩነታት ይፈጥርሉ ኣለው።

ወያናይ ዴሞክራሲ ብቐፃላይ ፃዕሪ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ተግባርን ግልፅነትን ፅሬትን እናመዝገብካ በዚ ኣገባብ ናይ ሓሳብ ልዕልነት ንኽመፅእ፤ ኣብዚ ናይ ሓሳብን ተግባርን ልዕልነት ብፍቓዱ ብድሌቱ ይጠቕመኒ እዩ፣ ካብቲ ካሊእ መማረፂ ይሓይሽ እዩ እናበለ ክኸትት ክገብሩ ኣይከኣሉን። እዙይ ተግባራዊ ዝኾን ብገፊሕ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ሕብረተሰብ ዘለው ፖለቲካዊ ሓይልታት (ብማሕበራዊ መደብ ዝተጠርነፉ ይኹን ብኢኮኖምያዊ ረብሓ ዝተኣኻኸቡ) መማረፂ ሓሳባት እናቕረቡ ብዝግበር ሰላማዊ ፍሕፍሕ እናበልገን እናጎልበተን ክኸይድ ኣብ ክንዲ ምግባር (እዙይ ከቢድ ስራሕ ምናልባት እውን ውፅኢቱ ምግማት ስለዘይከኣል) ብኣቋራጭ ናይ መንግስታዊ ስልጣን ሓይሊን ሃብትን ተጠቒምካ እናፈራራሕኻ፣ እናቐፃዕኻ፣ እናኣሰርካ፣ ወይ እናጠበርካ (ብገንዘብ፣ ብስልጣን) እዚ ንምግባር እውን እናተጎጀልካ (ኔተዎርክ እናፈጠርካ) ምቕፃል እቲ ዝቐለለ ዘተኣማምን (ንግዚኡ) መማረፂ ኾይኑ ብኡ ከይዶም።

እዙይ እቲ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ናይ ፖለቲካዊ ምዕባለ መምፅኢ ናይ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ኣተሓሳስባን ዘምፀኦ ፀገም ኣይኮነን። ናይቶም መራሕቲ ምምካን እሞ ኣቋራጭ ተጠቒምካ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ዝወለዶ ጉድ እዩ። ናይዙይ ውፅኢት ድማ እቲ ገዛይ ፓርቲ፡ ፓርቲ ባዕሉ ኮይኑ፣ መንግስቲ ባዕሉ ኮይኑ፣ ፓርላማ ሚኢቲ ሚኢታዊ ተቖፃፂሩ … እቶም ሰበስልጣን እውን ብናይ ፓርቲ ዘለዎም ተኣማንነት እንዳተዓቀኑ፣ ብኣተሓሳስባ ንሕና ዓቂና ዝሃብናካ ዴሞክራሲ ይኣክለካ እዩ እናተበሃለ፤ ዴሞክራሲ ኣብ ሕብረሰተብ ብዝግበር ቃልስን ፍትግን ናቱ ውፅኢት ኮይኑ ዝመፅእ ምዃኑ ኣፍልጦ ዘይህብ ኣተሓሳስባ ሒዙ ዝኸይድ ኣካይዳ እዩ እቲ ፀገም።

ናይቲ መንግስቲ ጣልቃ ኣእታውነት ኣብ ኢኮኖሚ ዓቢይ ቦታ ይህቦ እዩ። ማለት እቲ ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣተሓሳስባ ምስቲ ናይ ብሄር ፌዴራል ኣወዳድባ ብሓባር ይኸይድ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። መንግስታዊ ጣልቃ ኣታውነት እንተዘይሃልዩ እቶም ዝተውፅዑ ክፋል ሕብረተሰብ ከም በዓል ዓፋር፣ ሶማሊያ፣ ጋምቤላ ማእከላዊ ብዝኾ ፕላን ኮነ ኢልካ ንዓዓቶም ንምድጋፍ ዝግበር ፃዕሪ ክደክም ማለት እዩ። ንውልቀ ሰባት ዝግደፍ ዝኸውን ማለት ዘሎ እዩ።

በቲ ናይ ሊበራል እንተኸይዱ እቲ ውልቀ ሰብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ እንዳረኣየ ከምድላዩ ንሱ ዝመስሎ መንገዲ ዝኸደሉ ኢኮኖሚ እዩ ዝህሉ ማለት እዩ። እዚ ድማ እቲ ዛጊድ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነበረ ኣፈላላይ እንዳዓበየ ንኽኸይድ ዝገብር ኣካይዳ እዩ ዝኸውን። ስለዚ እቲ መሰረታዊ መሕሰቢ ፖሊቲካዊ ኩነታት ዓድና እቲ ኣተሓሳስባ ወያናይ ዴሞክራሲያውን ልምዓታዊ መንግስቲን ኣብ ዓድና ሰላምን ልምዓትን ንምምፃእ ክልቲኦም ተዋሃሂዶም ዓበዩ ውፅኢት ከምፅኡ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ማለት እዚኣቶም ሒዝና ክንከይድ ከለና ዝተፈጥሩ ኣናእሽተይ ፀገማት የለን ማለት ኣይኮነን። ምናልባት ቅድም ክብል ብዝነበረ ጭቛና ኣብቲ ኣፈላላይ ዝያዳ ተደፊኢሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብኻልእ ገፅ ግን እዚ ሕዚ ዘሎ መሰረተ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ትሕቲ ቅርፂ ኣሎ፣ ብዙሓት ዩኒቨረስተታት ተኸፊተን ኣለዋ። ካብ ብዙሕ ዓዲ ዝኸዱ ተሓዋዊሶም ዝመሃርሉ ኣሎ። መንገድታት ተኸፊቱ ኣሎ፣ ተራኺቦም ዘይፈልጡ ህዝቢ ይራኸቡ ኣለዉ፣ ኢክኖሚያዊ ውህደት ይመፅእ ኣሎ። ርክብ ቴሌኮምኒኬሽ እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ ባሀላውን ፖለቲካውን ዝኾነ ትግራዋይ፣ ኣምሓራይ፣ ኦሮሞ ዝብል ንእሽተይ ናብ ሓደ ጫፍ ዝኸደ ዋላ እኳ እንተሃለወ እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ናብ ሓድነት ዘምፅእ፣ ሓደ ኢኮኖሚያዊ ማሕበረሰብ ንምፍጣር የኽእል እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ትሕቲ ቅርፂ ድማ ካብ ቀደም ብዝነበረ መንገዲ እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ ኣብቲ ህዝቢ ዝበለፀ ሓድነት ንምምፃእ ዝሓሸ ባይታ እንዳተፈጠረ ይኸይድ ኣሎ ማለት እዩ።

እቲ ፖሊቲካዊ ባህላዊ ነገር ነዚ ክድግፎ እንዳተገብረ እንተኸይዱ እቲ መሰል ናይቲ ህዝቢ ኣኽቢርካ ግን ድማሓድነቶም እንዳጠናኸርካ ዝኸደሉ ዕድል ዓብይ ኮይኑ ይራኣየኒ። ስለዚ እቲ ኣጀንዳ ዓሚቕ እዩ፣ ገፊሕ እዩ። ብዙሕ ነገር ዝዝረበሉ እዩ፣ ብሓፂር ቃለ-ምሕተት ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ዋና ጉዳይ እቲ ፀገም ኣይድዮሎጂ ኣይኮነን፣ እቲ ፀገም ካብ ኣፈፃፅማ ዝመፀ ሽግራት ይመስለኒ። ኣብቲ ኣፈፃፅማ ድማ ናይቲ ፖሊቲካ ኣቋቑማ ኣብ ንፅህናን ሰናይ ድሌትን ውልቀ ሰባት ዝተጠንጠለ ኮይኑ። ኣብኣቶም ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ኣብ ሕብረተሰባዊ ዝኾነ ብሕብረተሰብ ደረጃ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ናይ ዝፈጥርዎ ሚዛንን ቁፅፅርን ተመስሪቱ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ንግዕዝይና ዓብይ በሪ እንዳኸፈተ ከይዱ። ኣብ ሕብረተሰብ ንዴሞክራሲ ስርዓት ምዕንባብ ምኽንያት ክኾኑ ዝኽእሉ ማሕበራት፣ ሚድያ፣ ሓራ ቤት ፍርዲ፣ ሓይሊ ዘለዎ ንፈፃሚ ኣካል ክቆፃፀር ዝኽእል ፓርላማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዘይምህላው ነቲ ፈፃሚ ኣካል ካብ ልዕሊ ዓቀን ክሓብጥ፣ ድላዩ ንኽገብር፣ ኩሉ ነገራት ኣብ ናቱ ሰናይ ድሌት ጥራይ ክምስረት፣ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ንሱ ምስ ተበላሸወ ድማ ቁፅሪ ጠቅላላ ናይታ ዓዲ ፖሊቲካዊ ህይወት ናብ ዓብይ ሓደጋ ክወድቅ ምኽንያት ኮይኑ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።

ውራይና፦ ሕዚ ናብ ትግራይ ክንመፅእ ከለና፣ እዚ መድረኽ እዚ ሓደ ከምልጠና ዘይብሉ ሕዚ ክንገብሮ ዘለና ኢልና ክንዘራረበሉ ዝግባእ ነጥብታት ኣለዉ ይብል። ብዙሕ ዕድላት ዘምለጡ ኣለዉ እዮም። ንኣብነት ቀጥታ ድሕሪ ዓወት ብዙሕ ትግራዋይ ወንኡ ተላዒሉ ክእለት ዘለዎ ካብቲ ካብቲ ተኣኻኺቡ ነይሩ እዩ። ተጋዳላይ ዝነበሮ፣ እቲ ህዝቢ እውን ዝነበሮ ተስፋ ገለ መገለ ኣሎ። እሱ ብዝግባእ ኣይተኸይደን ዝብል ገምጋም ኣሎ። ብዙሕ ፀገማት ተፈጢሩ እዩ። 1985 እውን ገምጋም ክገበር ከሎ ላዕለዋይ ኣካል መሪሕነት ምፅንሑ ደሓር ኣብ 1993 ዝተፈጥረ ሽግር ሓደ ምንጪ ኮይኑ እዩ። ሕዚ ድማ ከይድና ከይድና ነዊሕ ዝበለ ዝፀንሐ ደውታ ተጓዒዝና እቲ ውድብ ከምዚ ዝበለ ገምጋም ገይሩ ኣሎ። ከምቲ ዝበልካዮ እዚ መወዳእታ ኣይኮነን መጀመሪ እዩ። ብቀጥታ እዞም መሪሕነት ድሕሪ ገምጋም ምምፀኦም፣ እዚአን እዚአን ምግባር ሕዚ እንተዝጅምሩ፣ ከየምልጥ። ንሶም ግን ጥራይ ኣይኮኑን። ንሶም መንግስቲ ስለዝኾኑ ዝገብርዎ ክህሉ ኣለዎ። ንሕና እውን፣ እቲ ማሕበረሰብ እውን። ሕዚ እቲ ዝበልካዮ ንአብነት ናይ ሚዛንን ቁፅፅርን፣ ሚዛን ዝሕሉ ሓይልታት እኒ መን ዝበሃሉ ክፍጠሩ ኣለዎም? ንሕና እንታይ ክንገብር ኣለና? ንሳቶም ?

እቲ ናይ መጀመርታ መድረኻት ክኽፈት ኣለዎ። ሰብ ክዘራረብ ኣለዎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሓሳብ ኣለዎም ዝብሃሉ ሰባት እንዳተራኸቡ ክዛራረብሉ ኣለዎም። ብታሪኽ ክርእዮ ከለኹ፣ እቲ ዝዓበየ ዋጋን ዝኸበደ ፀገምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወዲቁ ነይሩ፣ ንሱ ገይርና ዓወት ኣምፂእና፣ ደርጊ ኣወጊድና። እቲ ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ዓመታት እዛ ዓዲ ናብ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ግዘ እዩ ነይሩ። መዓት ዘይተረጋግኡ ብዙሓት ነገራት ነይሮም። እቲ ታሪኽ ምዝርዛር ብዙሕ ግዘ ዝወስድ እዩ። እዚ ተወዲኡ ህዝባዊ መንግስቲ ተጣይሹ ሓደ ሰለስተ ዓመት ምስ ፀናሕና እሞ ከም መንግስቲ ኮይኑ ምስራሕ ምስ ጀመረ ኩናት ኤርትራ መፅእዩ፣ ከይተዳለና ዝመፀ ውግእ ስለዝነበረ ንብዙሕ ነገር ኣዛብዑ እዩ። ኣብቲ ውግእ ምስ ኣተና ዘረባታት ክላዓል ጀሚሮም ነይሮም፣ ናበይ ኢና ክንከይድ፣ እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና ዝብሉ ሓሳባት ዘይበሰሉ ማለት ብደንቢ ገፊሕ ምይይጥ ተገይርሎም መልክዕ ሒዞም ዘይወፅሉ እዋን እቲ ኩናት ተኻይዱ። እቲ ኩናት ተወዲኡ። ናይቲ ኩናት ኣካይዳን ኣወዳድኣን ዓብይ ዛዕባ ኮይኑ፣ ናይ ኣፋላላይ ዛዕባ ኮይኑ። ብድሕሪኡ እቲ ኣፈላላይ እውን መልክዕ ብዘለዎ መንገዲ ኣይተወደአን። መልክዕ ብዘለዎ መንገዲ ስለዘይተወድአ ሓደ ጉጅለ በዚ መንገዲ ኢና ንኸይድ ኢሉ ምፍፃም ጀሚሩ፣ እሱ ዘምፀኦ ፅቡቕን ሕማቕን ውፅኢት ኣሎ። ሕዚ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ይርከብ ኣሎ ብዓይኒ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ምምፃእ። እሺ ካብ ሕዚ ንንየ ከመይ ኢልና ኢና ክንከይድ ዘለና እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና ኢልካ ምዝርራብ ምሕሳብ ዘድሊ።

እቲ ፓርቲ ከም ፓርቲ መጠን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ይዘራረብ ይኸውን ኢለ እየ ዝግምት። ግና ኣብቲ ዓድና ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም፣ ብፍላይ ካብ ትግራይ ውፅእ ኢልካ ጠቅላላ እቲ ከባቢ፣ እዚ ከባቢና ብሓፈሻ ተፈላለየ መንገድታት ተወጣጢሩ ዘሎ ፀገማት ሓሲብካ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ እቶም ዝተፈላለዩ ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ ኢህወዴግ ዘለዉ ‘ውን ሓዊስካ ናይ ፖሊቲካዊ ጉዕዞ ነፂሩ ዝወፀ ኣይኮኑን። ብሓደ ወገን ኣወንታዊ ምዕባለ ዝመስል ኣሎ ማለት ናይ ባዕልና ጉዳይ ባዕልና ክንርኢ ዝብል። ትኽክለኛ ይመስለኒ። ብኻልእ ወገን ድማ ዘሰክፉ ዝንባለታት ኣለዉ፣ ማለት ንሕና ተመሊስና ክንፀቕጠኩም። ንሕና ዝበልናዮ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ባዕልና ጉዳይ ባዕልና ኢና ንውስን ካልኦትኩም እውን ከምኡ ክትኮኑ ኣለኩም ብማዕረ ንኺድ ዝብል እንተኾይኑ ዝተቃለስናሉ ዕላማ እዩ፣ ትኽክለኻ እዩ፣ ክንድግፎ ኣለና ክንደፍኣሉ ኣለና። ንሕና ኢና ንፀቕጠቅኩም ንሕና ዝበልናኩም ጥራይ ስምዑ ዝብለ እንተኾይኖም ተመሊስካ ናብ ኩናት ዕግርግር እዩ ዝኸውን።

ስለዚ እዚኣቶም ገና ኣይፈሌሎምን ብናተይ ኣርኣእያ፡ ንዚኣቶም ንምፍላይ እሞ ሓደ መልክዕ ንምትሓዝ መጀመርታ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኢነ ክንከውን ዘለና፣ ከም ህዝቢ ትግራይ መጠን እንታይ ኢና ክንከውን ዘለና፣ ናበይ ኢና ክንከይድ ዘለና፣ መሰልና ሙሉእ ብሙሉእ ኣኽቢርና ንኻልኦት እውን ከይጨቆንና በቲ ነዊሕ ዓመት ዝተቃለስናሉ ናይ ማዕርነታዊ ሓድነት ኣገባብ ግን ድማ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘለና ርክብ እንዳጠናኸርና ክንከደሉ ዝኽእል ኣንፈት እንታይ እዩ። ተራና ከየዕበና፣ መሰልናን ክብርናን ድማ ከየግሃስና ምስ ታሪኽና መንነትናን ዝመጣጠን ግደ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖሊቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ዓብይ ተራ ንኽህልወና ምሕሳብ የድሊ፣ ምስና ዝመጣጠን ተራ ሓሲብካ ምምፃእ የድሊ።

እዚ ሐዚ ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ ኣመራርሓ፤ ንሕና እዚኦም ሽግራት ዝፍትሕሉ መንገዲ ምስላጥ እዩ ስራሕና። ከነሳልጥ ድማ ህዝቢ ከነንቐሳቅስ ኣለና፣ ምስ ህዝቢ ክንማኸር ኣለና፣ ሓሳብ ህዝቢ ክንሰምዕ ኣለና፣ ካብ ኩሉ ድማ ክሓድር በሃልን፣ ፍርሕን ቀንጢጥካ እቲ መንእሰይ ከይፈርሐ ክሓድር በሃሊ ኮይኑ እውን እዚኣ ናብ ስልጣን ከተደይበኒ እያ እዚኣ ከምዚ ክትገብረኒ እያ ከይበለ እውን ንዓዲ ዝጠቅም ሓሳብ ብሙሉእ ዓቕሙ ንኸውፅእ እንዳዓደምካ ዝግበር ምንቕስቃስ ምውላዕ እዩ እቲ ትኽክለኛ ነገር ዝመስለኒ። ኩላትና በቲ ቓልሲ ኢና ተፈጢርና ኣብቲ ቓልሲ ዝነበረ ውዑይ ምንቅስቓስ እዩ ሰባት ኣፍርዩ፣ ፈጢሩ።

እከለ ምስ ወዲ እከለ ርክብ ስለዝነበሮ፣ ወዲ እከለ ስለዝኾነ ኣይኮነን ወፂኡ። ብስርሖም እዮም ዝወፁ ነይሮም። ከይዲ እዩ ሰባት ዝፈጥር። ከይዲ እዩ ሓሳባት ዝፈጥር። ክይዲ እዩ ሓሳባት ዘፅሪ። ስለዚ እቶም ሕዚ ዘለዉ ኣመራርሓ እቲ ዋና ስርሖም እዚ ከይዲ ምውላዕ ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም። እዚ እንተገይሮም ብዙሕ ነገር ክመፅእ እዩ። ኣብኡ ዝፍጠር ዕብየት፣ ኣብኡ ዝፍጠር ዝተወደበ ፅቡቕ ሓሳብ ድማ ንኻልእ እውን ዓብዩ ፅልዋ ኣለዎ። እዚ ንምግባር ምፍራሕ ዘድሊ ኣይመስለንን። ዘፍርሕ ነገር ስለዘየለ። እዚ ተገበርና እዚ ዶ ይመፅእ እዚ ዶ ይመፅእ እንዳበልካ እንዳቀነስካ እንዳደመርካ ዝኽየድ እንተኾይኑ ፍርቂ መፍትሒ እዩ ዘምፅእ። ኩሉ ሰብ እቲ ነገር ክቀንዕ ድልየት ስለዘለዎ ብዙሕ ፅቡቕ ሓሳብ ክመፅእ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብዚ ክግለፅ ዘለዎ ንኣና ንተጋሩ ዝጠቕመና ምስ ካልኦት ዴሞክራስያዊ ሓይልታት ናይዛ ሃገር ኮይና ናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን ኢኮኖምያዊ ምዕባለን ቀንዲ ተጠቀምቲ ኮይና ምቅላስ እዩ። እዙይ ማለት ኣብ ክልልና እቶም ኩሎም ብሕገመንግስቲ ኣፍልጦ ዝተወሃቦም ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ኣብ ተግባር ክውዕሉ፤ ንዚኣቶም ከተግብሩ ዝኽእሉን ዘማዕብሉን መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካላት ክዕንብቡ ክጠናከሩ፤ ንዚኣቶም ዝግድቡ ኣዋጃት፣ ፖሊሲታት ተግባራዊ ምንቅስቓሳት ብቐሊሉ ክውገዱ፤ ዴሞክራሲ ብሰናይ ብሰናይ ድሌት ዘለዎም “ፅቡቕ ሓሰብቲ መላእኽቲ” ዝተወሃበ ህያብ ዘይኮነስ ብቐሊሉ ዝመፅእ ዝጉልብት ምዃኑ ተረዲእኻ ምቅላስ፣ እዙይ ምግባር እዩ ጥቕምና ዘሐሉ። ምስዚ ድማ ድልዱል ኢኮኖምያዊ መሰረት ንምህናፅ ብመንግስታዊ ይኹን ውልቀሰባዊ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ምፅራግ ክኸውን ኣለዎ ፃዕርና። እዙይ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ተኸባቢርና ብሰላም ብንስማመዐሉ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክንጎዓዝ የኽእለና ኢለ ይኣምን።

ውራይና፦ ኣብዚ ሎሚ ቕነ ብዛዕባ ራያ ቢራ ክልተ ጉዳየት ይላዓሉ ነይሮም። እቲ ሓደ ራያ ቢራ ንቢጂኣይ የሕሊፉ ዝሃበ እቲ ዝሸጠ ኣክሲዮን ኣባኹም እቲ ዋንነት ስለዝነበረ፣ ኣባኻ ብዝተወሰነ ድማ ኣብ ዳዊት /ሄር፤ ንምንታይ ኮምኡ ኮይኑ፣ ሰኒፍና ኣብ ዓድና ከምኡ ዝበለ ካምፓኒ ክንመርሕ ኣቕሚ ስኢና ዲና። ከምዚ ኮይንና፣ ንምንታይ ኢዮም ከምዚ ገይሮም ዝብል። ብቲ ሓደ ገፅ ድማ ብጣዕሚ ብዙሕ ዓቕሚ ተረኺቡ ኣሎ። ግን እዚ ስቕ ኢሎም ክብትንዎ የብሎምን፣ ተደጋጋሚ ዝፀሓፍ ከምዝነበረ ለባማት ስለዝኾኑ ኣበይ ከምዘውዕልዎ ይፈልጡ እዮም። ግን ድማ ኣብ ትግራይ ብዝተወደበ ካልእ ዓቕሚ ብዝሓውስ ክውዕል ኣለዎ ዝብል ምይይጥ ኣሎ። ኣብዚኦም ክልተ ነጥብታት እንታይ ኢኻ ትብለና?

ኣብ ራያ ቢራ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ካብቲ መንግስቲ ክልተ ነገር ነይሩ። ኣብልዕሊኦም ዝበፅሕ ፀገም ብዘየገድስ ዝድግፍዎ ነይሮም፣ ካብ ናይቲ ክልል ፕሬዚዳንት ዝነበረ ሃለቃ ፀጋይ ጀሚሩ፤ ብኣንፃሩ ዝቃወምዎ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብሉ እውን ነይሮም። እዚ ክልቲኡ ጎናጎኒ ከይዱ። ኣብ መወዳእታ እውን ስራሕ ምስ ጀመረ ብገለ ክፋል እቲ ክልላዊ መንግስቲ ዝበፅሐና ዝነበረ ፀገም ከቢድ እዩ ነይሩ፣ ካብ ባዕሉ ይመንጩ ወይስ ካብ ካሊእ መምርሒ ተዋሂብዎ ይኹን እዘጊ ይፈልጥ ግን ካብቲ ብቐረባ ግዜ ካብ ስልጣን ዝወረደ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ጀሚሩ ንቲ ምንቅስቓስ ዝፃባእ ኣርኣእያን ትግባርን ነይሩ እዩ። ሕማቕ እዩ ነይሩ። ካልእ ፀገም እውን እንዳፈታሕና ኢና መፂና እሞ እዚ ፀገም እውን ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ነይሩና። ክንፈትሖ ምኻኣልና ሕዚ እውን ተኾነ ተበፂሑ ዘሎ ኩነታት እውን ክፈትሖ ምኻኣልና ነይርና። ግና ኣብ ቢራ ራያ ዝወሰድናዮ መደምደምታ ክንበፅሕ ዘግበረና ምኽንያታት ነይሮም፣ ሓደ እቲ ስትራተጂክ ኩነታት ተቀይሩ እዩ። ራያ ቢራ ክንጅምር ከለና ሄኒከን ዝበሃል ፋብሪካ ቢራ ኣይነበረን። ሕዚ ሄኒከን መፅእዩ ልዕሊ 5 ሚሊዮን ሄክቶ ሊትር ብዓመት የምርት ኣሎ። ሄኒከን ዓለም ለኻዊ ትካል እዩ። መዓት ገንዘብ ሒዙ እዩ መፅእዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 200 ሚልዮን ብር ኣፍሲሱ ንመላለዩ እንዳውዓለ ነቲ ዕዳጋ ክቆፃፀር ይፅዕር ኣሎ። ናይዚ መወዳድርቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ዝኾነ ድማ ቢጂኣይ ዝውንን ካስትል ግሩፕ እዩ። ንሱ እውን ዓቕሙ ኣጠናኺሩ ክንቀሳቀስ ይደሊ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ቢራ ናይቶም ዓለም ለኻዊ ትካላት ቢራ ዓውደ ኩናት ኮይኑ ኣሎ። ራያ ቢራ ክንጅምር ከለና ዘይነበረ ዓብይ ስትራተጂክ ጉዳይ እዩ።

ካልኣይ ንሕና ኣብዚ ተወዳደርቲ ኮይንና ክንቕፅል እንተኾይና ዓቕምና ክንዕቢ ኣለና። ሽድሽተ ሚእቲ ሺሕ ሄክቶ ሊትር እያ ዘላትና። ራያ ቢራ ክጅምር ከሎ ሓሙሽተ ዕፅፊ ክዕቢ ከምዝኽእል ተገይሩ እዩ ተሓሲቡ ተቐሚጡ። ግና በቲ ሕዚ ዘለና ምትሕርራይ ናብዚ ደረጃ ክንበፅሕ እንተወሓደ 10 ዓመት ኣቢሉ የድልየና። ምኽንያቱ ልዕሊ ትሽዓተ ሚእቲ ሚሊዮን ናይ ባንኪ ዕዳ ኣለና። ሕዚ እንድሕር ዓቕሚ ክንውስኽ እንተኾይና እንተነኣሰ ተወሳኺ ሓደ ቢልዮን ተለቒሕና ሓደሽቲ ቦትሊንግ ላይን ከፊትና ናብ 1.5 ሚሊዮን ሄክቶ ሊትር ከነዕብዮ ንኽእል ኢና። እዚ እንተገይርና ናይ ሓንቲ ጥርሙስ ቢራ ዋጋና ይቕንስ፣ ዝሕሸ ተወዳደርቲ ንኸውን እዚ ንምግባር ግን ብጣዕሚ ኣፀጋሚ አዩ። ምኽንያቱ 900 ሚሊዮን ዕዳ እንዳዓደና (ኣብ ሰለስተ ሰሙን 53 ሚሊዮን ኢና ንዓዲ) በብዓመቱ ብፅሒት ዝፅበ ማሕበርተኛ ኣለና።

ኣብልዕሊ እዚ ተለቂሕና ክንዕብዮ እንተኢልና ኣፀጋሚ እዩ ዝኸውን። ስራሕቲ ምልላይ ክንሰርሕ ኣለና። ዝሓለፈ ዓመት ሕዚ ልዕሊ ሓምሳን ገለን ሚሊዮን ንማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ምንቕስቃስ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ ዕዳጋ (social marketing ብዝብልዎ በቲ ንሕነ ንኽተሎ ኣንፈት ንምልላይ) ገንዘብ ኣውፂእና ኢና። እቲ ፋብሪካ ክዓቢ ዝኽእል ዕድል ኣሎ፣ ንሕና ግና ብሙሉእ ዓቕምና ክንዕብዮ ኣንኽእልን። ሒዝናዮ ንፅናሕ እንተይልና ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ድጉል ዓቕሚ (potential) ክንቕይዶ ኢና ማለት እዩ። ጠጠው ከነብሎ ኢና። ቢጂኣይ ግን ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ናይ ቢራ ውድድር በሊፀም ምእንታን ክወፁ ክገዝእዎ ይደልዩ እዮም። ምግዛእ እውን ጥራይ ዘይኮነስ ገዚኦም ወሲዶም ናብ ሙሉእ ዓቕሚ ከዕብይዎ እዮም። ብቀጥታ ናብ 1.5 ሚሊዮን ሄክቶ ሊትር ክዕብይዎ ዛጊድ ኣቑሑት ምግዛእ ጀሚሮም ኣለዉ። ፅንሕ ኢሎም ድማ ናብ 3 ሚሊዮን ሄክቶ ሊትር ከዕብይዎ እዮም። ሽዑ ዓብይ ፋብሪካ ቢራ ኣብ ትግራይ ይቐውም ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ስትራተጂክ ኩነታቱ ምቕያሩ ንሕና ከም ንእሽተይ ኦፐሬተር መጠን ከመይ ኢልና ኢና ንዘልቕ ዝብል የተሓሳስበና እዩ ነይሩ። ሄንከን ብዙሕ ናይ ምልላይ ገንዘብ ብዘውፀአ ቁፅሪ ናትና ዕዳጋ የዐርዩ እንዳተተንከፈ ከምዝኸይድ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዝርእዮ እዩ።

ንሕና ሓደ ስትራተጂክ ዕላማ ነይሩና፣ ኣብቲ ከባቢ ሓደ ፋብሪካ ቢራ ቆይሙ ከም መቀላጠፊ (catalyst) ኮይኑ ንኻልኦት ፋብሪካታት ከም ፋብሪካታ ቆርኪ/ባሊቓ፣ ጥርሙዝ፣ ናይክሬት፣ ቡቕሊ ፋብሪካን መደለቢ ኸፍትን ካልኦትን ንኽስሕብ፣ ንቕድሚትን ንድሕሪት ከምኡ እውን ጎናዊ ውህደት ዝፈጥር ፋብሪካ ስለዝኾነ ኢና ኣቑምናዮ። ሕዚ እቲ ፋብሪካ ቖይሙ ኣሎ፣ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ሕዚ ነቲ ፋብሪካ ብዝላዓለ ደረጃ ክዕብዮ ዝደሊ ሓይሊ እዩ ክገዝኦ ኢሉ ዝጠልብ ዘሎ። መጀመሪያ 42 ሚእታዊት ብፅሒት ገዚኡ ክቖም ገይሮም። ሕዚ ድማ ክገዝኦ እሞ ሙሉእ ድጉል ዓቕሙ ክዕብዮ። ክሳብ 3 ሚሊቶን ሄክቶ ሊትር ዝዓቢ ፋብሪካ ክገብርዎ፣ ድሌት ኣለዎም። ኣብቲ ከባቢ ሕዚ ፅቡቕ መሸጣ እንተሃልዩ ሓደ ሚሊዮን ቅርሺ ኤክሳይስ ታክስ ንትግራይ ንኸፍል ነይርና። ሕዚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዕፅፊ እንተዕብይዎ ደንበኛ ናይ ዕዳጋ ኔትዎርክ ስለዘለዎ፣ እኹል ገንዘብ ስለዘለዎም ነዚ ጉዳይ ንምድጋፍ፣ ብዙሕ ናይ ምልላይ ገንዘብ ከውፅኡ ስለዝኽእሉ። እቲ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ገንዘብ ብመዓልቲ 4 ወይ 5 ሚሊዮን ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ፋብሪካ ዝቆፅሮም ሰራሕተኛ ክበዝሑ ይኸእሉ እዮም።

ምስቲ ፋብሪካ ተዛሚዶም ክመፁ ይኽእሉ ኢዮም ዝበልናዮም ፋብሪካታት ብናይ ባዕሎም ኢኮኖሚያዊ ኣመኽንዮ ክመፁ እዮም። ስለዚ እቲ ዕላማና ይዕወት ጥራይ ዘይኮነስ ብዝላዓለ ደረጃ ንኽዓቢ ዘመቻቹ ኩነታት እዩ ዝፍጠር ዘሎ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓደ ነገር ኩላትና ናብቲ ስራሕ ፋብሪካ ቢራ ዝኣተና ካብ ፖሊቲካዊ ድልየት ተበጊስና ኣብቲ ከባቢ ሓደ ነገር ክንገብር ኢልና እዩ እንበር ዘልኣለም ኣብ ናይ ቢራ ስራሕ ኣትይና ቢራ እንዳሸጥና ክነብር ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይነበረናን።

ሳልሳይ ነገር ድማ እቶም ምሳና ብፅሒት (ሼር) ዝኣተዉ ፅቡቕ ዋጋ ክረኽቡ ኢና ንፅበ ነይርና ሽድሽተ ዓመት ሸውዓተ ዓመት ገንዘቦም ኣቐሚጦም ክሳብ ሕዚ ዋላ ወለደ ባንኪ ከይረኸቡ፣ ዲቪደንት እውን ከይረኸቡ ስቕ ኢሎም ዝፀንሑ ሰባት እዮም ነይሮም። ሓቂ ይሓይሽ እቶም ብፅሒት ሼር ዝኣተዉ መብዛሕቲኦም ሼር ሆልደራት ብፍላይ እዞም ኣብ ማእከል ዓዲ ዝርከቡ ተጋሩ ዘይኮኑ ሰባት እንዳፈለጡ ኢዮም ኣትዮም። እዚኣቶም ተሒዞሞስ ኣይሓምቕን ካብ ዝብል፣ ኣብ ትግራይ እውን ብዙሕ ፅዕንቶ እንዳሃለወ ከመይ ኢልኩም ምስዚኦም ትኾኑ ገለ መለ ዝብል ማዓት ዘረባ እንዳሃለወ ምስ እዚ ኩሉ ሓሊፎም ዘመፁ እዮም ነይሮም። ብዙሕ ገንዘብ እዮም ኣእትዮም፣ ዓብዩ ስግኣት (risk) እዮም ወሲዶም፣ ከም ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ዝኣመሰሉ ተጋሩ ድማ ዓብዪ ገንዘብ ኣእተውአ፤ 150 ሚሊዮን ቅርሺ ብምእታው ዓብይ ስግኣት እዩ ወሲዱ፣ እዚ ድማ ብፖሊቲካ ተደፋፊኡ ዝገብሮ እንበር፣ ገንዘብ ኣብ ሓፂር እዋን ክረክብ እየ ብዝብል ኣይነበረን። ስለዚ እዚኣቶም ኩሎም ናይቲ ዘቐመጥዎ ገንዘብ ጥዑይ ዋጋ ክረኽቡ ንደሊ ነይርና፣ ቀሊል ዘይኮነ ድርድር ኣካይድና ኣብ 7.425 ዕፅፊ በፂሑ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ልዕሊ 900 ሚሊዮን ዘነበረ ዕዳ ንሶም ክኸፍሉ ወሲዶም፣ ሓደ ሽሕ ዝነበረ ብፅሒት ብብር 7425 /ሸውዓተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን/ ክኸፍሉ ተሰማሚዖም። ስለዚ እዚ ዋጋ ፅቡቕ ኢዩ ዝብል እምነት ሒዝና። እዚ ኢልና ከነብቕ ከለና ግን ብፅሒት ዝሽየጥ ብባዕሉ ብማሕበርተኛ እዩ፣ ስለዚ ምስ ቢጂኣይ ዝተሰማማዕናዮ ክሸይጥ ዝደሊ ሰብ ብዚ ዋጋ ክሸይጥ ይኽልእ እዩ፣ ክፀንሕ ዝደሊ ሰብ ድማ ክፀንሕ ይኽእል እዩ ኢልና ተሰማሚዕና። ብናተይ ኣተሓሳስባ ብናይ ኢንግሊዝኛ ቋንቋ ኩሉ ተዓዋታይ (win-win) ዝብልዎ ኣካይዳ እዩ። ድሕሪ እዚ ግልፂ ግይርናዮ ክሸይጥ ዝደሊ ሰብ ይሸይጥ ኣሎ፣ ንኣብነት ኣቶ ዳዊት ገ/ሄት ክሸይጥ ተሰማሚዑ ኣሎ። ኣቶ ዳዊት ክሸይጥ ማለት ቢኣይጂ 67 ሚእታዊት ብፅሒት ራያ ቢራ ይሕዙ ኣለዉ ማለት እዩ።

ስለዚ ነቲ ከባቢ ካብቲ ተሓሲብሉ ዝነበረ ዕላማ ኣንፃር ብጣዕሚ ፅቡቕ እንበር ሕማቕ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ስተራተጂካዊ ዕላማ ብዝተዓፃፀፈ መንገዲ ክፍፀም እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብርግፅ እቲ ዋንነት ዝምልከት ናይ ወፃኢ እዩ ዋና ዝኸውን ዘሎ። ሕዚ እቲ ዋንነት ንወፃኢ ከይንህብ ኢልና ብሓቦ ኣብኡ ምስቶም ገጀፍቲ ትካላት እንዳተዋጋእና ኣብ ቅድሚት ከጋጥመና ዝኽእል ዕድል ርግፀኛ ከይኮይና፣ ኣብቲናይ ዕዳጋ ውድድር እንዳኸበደና ከይዱ ናይቲ ፋብሪካ ዋጋ እንዳቀነሰ ከይዱ እቲ ማሕበርተኛ ከስቢ ከይረኸበ ብንእሽተይ ዋጋ ተገዲድና ንሸጠሉ ኩነታት እውን እቲ ዕዳጋ ከገድደና ነይሩ እዩ። ሕዚ ግና ከምኡ ከይኮነ ከሎ ኢና ውሳነ ወሲና ፅቡቕ ውሳነ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ካብዚ ንደሓር እቲ ካልእ፣ ብዙሕ ገንዘብ ናብ ትግራይ ኣትዩ ኣሎ። ማሕበር ተጋደልቲ ነይሮም። ኢንቨስት ገይሩ ዝነበረ ትግራዋይ ብ7.425 ዕፅፊ ገንዘቡ ወሲኹ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ቀሊል ገንዘብ ኣይኮነን። ጠቕላላ እቲ ገንዘብ ብንፁር ኣይፈልጦን፣ ግና ከባቢ 2.5 ቢልዮን እዩ። እዚ ከመይ ገይሩ፣ ናበይ ክውዕል እዩ ዝብል ግን በብውልቀ በዓል ሃፍቲ ዝውሰብ ኮይኑ ገና ክንዘራረበሉ ክንሓስበሉ ኢና ዝተወደአ ነገር የለን።

ሓደ ነገር ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ትግራይ ኣብቶም ላዕለዎት መራሕቲ ይኹን ኣብቶም ታሕተዎት ቢሮክራት ዘሎ ንኢንቨስትመንት ዘየመችው ኣርኣእያን ኣሰራርሓን መምርሕታትን እንተዘይተዓርዩ ብውልቀኻ ይኹን ብማሕበር ተወዲብካ ገንዘብ ምፍሳስ ኣይምችውን። እዚ እንተዘይተዓርዩ ዝመፅእ ሰብ የለን። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ እውን ዝተወሰኑ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ሓቲተሙኑ እዚ እየ ነጊረዮም፣ ኣብዚ ተሪፉና ዘሎ ግዘ ኣብዚ ዓዲ ካብቶም ክመፁ ዝገበኦም መሰረታዊ ጉዳይ ሓደ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምልዋጥ እዩ። እዚ ብጣዕሚ መሰረታዊ እዩ፣ ኣብ ነዊሕ እዋን ነቲ ፖሊቲካዊ ጉዳይ እውን ዝውስን እዩ። ኣብዚ ለይትን ቀትርን ምስራሕ ይሓትት፣ ካብቲ ለይትን ቀትርን ዝስረሐሉ ሓደ ድማ ነቲ ጠቕላላ ኩነታት ንኢንቨስትመንት ምቹው ክኸውን ምግባር እዩ። ሕዚ እዚኣቶም ኩሎም ምዝርዛር ኣይከኣልን፣ እቲ ዋና ጉዳይ ግና ኣመለኻኽታ እዩ። ቀልጢፍና ከነገልግሎ ኣለና፣ ፅቡቕ ከነገልገሎ ኣለና፣ ዕንቕፋት ከይፍጠሮ ክንፀርገሉ ኣለና፣ ካልኦት እውን ክንስሕብ ኣለና ዝብል ኣተሓሳስባን ተግባርን የለን።

ጠቕላላ ንቲ ሕብረተሰብ ከም ሌባ ርእዩ ኣነ እየ ዝቖፃፀር እንዳበለ ዝርኢ መዋቕር ሒዝካ ስራሕ ምስራሕ ኣይከኣልን። ንዓና ድማ ንቢራ ራያ ከም ተቃዋማይ ናይ ፖሊቲካ ፓርቲ እዩ ዝርአ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ናይ ማእከላይ ኮሚቴ ሰባት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ነዋግዖ ዝነበርና ኣብ ውራይና ዝፃሓፍ ዘሎ ነገርን ቢራ ራያን ምፍላይ ኣብዩና ኢሉ ነጊሩኒ። ኣብ ውራይና ዝፃሓፍ ጉዳይ ኣነ ፂሒፈ ይኸውን፣ ወይ ካልእ ወይ ዳዊት ተዛሪቡ ይኸውን፣ ብዝኾነ ዝተፈላለየ ነገር። ማለት ኣብ ቢራ ራያ ምእታወይ ዜግነታዊ መሰለይ ክገድፍ ኢለ ኣይአተኹን። ከም ዜጋ መጠን ኣነ ዝራኣየኒ ናይ ፖሊቲካ ጉዳያት ሓሳባት ምግላፅ ሓደ ጉዳይ እዩ፤ ኣብ ቢራ ራያ ኣብ ዓዲ ልምዓት ክመፅእ ከም ማሕበርተኛ ኮይነ ምእታወይ ካልእ ጉዳይ እዩ። እዚ ፈልዩ ዝርኢ ኣይነበረን። ስለዚ እዚ ሒዝካ ስራሕ ምስራሕ ኣይከኣልን፣ ኣፀጋሚ እዩ።

ሕዚ ብርግፅ ከምኡ ዝገብር ዝነበረ ጉጅለ ወፂኡ ኣሎ ኢለ እየ ዝኣምን። ዋላ ቅድሚ ምውፅኡ እውን ሓደ ክፋል እዩ ነይሩ፤ ብጣዕሚ ሕማቕ ተቃውሞ ዝነበሮም ጉጅለ ነይሮም። ኣይ እዚ ትኽክል ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ዝነበሮም ካብቲ ማእከላይ ኮሚቴ እውን ነይሮም። ውርውራይ እዩ ነይሩ፣ ሓደ ኣይነበረን። እዚኣቶም ፀላእቲ እዮም ክጠፍኡ ኣለዎ። ክዛረቡ የብሎምን፣ ኣብ ቢራ ራያ ዕውታት ክኾኒ የብሎምን ገለ ዝብሉ ዝነበሩ ወፂኦም ኣለዉ፣ ዝተረፉ እውን ይህልዉ። ዝተረፉ የለውን ማለት ኣይኮነን። ድሕሪ ደጊም ቢራ ራያ እውን ወፂኡ ኣሎ፣ ቢራ ራያ እንዳተባህለ ባእሲ የለን፣ ብፅሒትና እንዳሸጥና ንወፅእ ኣለና። ስለዚ እዚ እዩ እቲ ኩነታት።

ውራይና፦ ብጣዕሚ የመስግን